bieteelyas.blogspot.com ቤተ ኤልያስ

Friday 31 March 2017

ትምህርተ ጾም ዘኦርቶዶክስ መበል 24 ክፋል

ኒቆዲሞስ 
ስያሜኡ ናይ ቅዱስ ያሬድ ኮይኑ፡ ኣብዚ ዕለት እዚ ሓለቓ ናይ ፈሪሳውያን ዝኾነ ኒቆዲሞስ ብለይቲ ናብ ጐይታና ከም ዝመጸን፡ ጐይታና ብዛዕባ ምሥጢረ ጥምቀትን ዳግማይ ልደትን ንዲቀዲሞስ ከም ዝመሃሮ ቅዱስ ያሬድ ነቲ ኣብ ወንጌል ዮሓንስ ምዕራፍ 3 ዘሎ እናጠቐሰ ስለ ዝዘመረ ስያሜኡ ኒቆዲሞስ ተባህለ።

ናይ ዕለቱ ናይ ቅዱስ ያሬድ መዝሙር ኣርእስቲ

ሆረ ሃቤሁ ዘስሙ ኒቆዲሞስ
ኒቆዲሞስ ዝበሃል ሰብ ናብኡ ከደ

ኣብ ጊዜ ቕዳሴ ዚንበቡ ክፍልታት ናይ መጽሓፍ ቅዱስ

ሮሜ 7፡1-19  ዲያቆን (ገባሬ ሠናይ)
1ይ ዮሓ 4፡18 - ፍጻሜ ዲያቆን (ንፍቅ)
ግ.ሓ 5፡34 - ፍጻሜ ካህን ተራዳኢ

ምስባክ
ሐወጽከኒ፡ ሌሊተ፡ ወፈተንኮ፡ ለልብየ፡
ወአመከርከኒ፡ ወኢተረክበ፡ ዐመፃ፡ በላዕሌየ።
ከመ፡ ኢይንብብ፡ አፉየ፡ ግብረ፡ እጓለ፡ እመሕያው፡

ንልበይ ፈተንካዮ ብለይቲ ኸኣ በጻሕካኒ
ፈተንካኒ ዋላ ሓንቲ ኸኣ ኣይረኸብካለይን
ኣፈይ ናይ ሰብ ሥራሕ ከይዛረብ ፍቓደይ እዩ /መዝ 17፡4/።

ወንጌል ዮሓንስ 3፡1-20 ካህን 
ቅዳሴ፦ ማርያም

ስብከት ዘኒቆዲሞስ
ብዛዕባ ኢየሱስን ኒቆዲሞስን
/1/ ሓደ ካብ ፈሪሳውያን ኒቆዲሞስ ዝስሙ ሰብኣይ፡ ሓለቓ ኣይሁድ ነበረ። 

 መግለጺ፦ ሓለቓ ኣይሁድ ዝበሎ ብሃብቲ፡ ብመምህርነት፡ ብሽመት እዩ።

/2/ ንሱ ካብቶም ብመዓልቲ ዝመጹ ኣቐዲሙ ብለይቲ ናብ ጐይታ ኢየሱስ መጸ።

 መግለጺ፦ ብለይቲ ምምጽኡ ኣይሁድ ብክርስቶስ ዝኣመነ ካብ ቤት ጸሎቶም ኪሰጕዎ ሓጊጎም ነበሩ እሞ፡ ንኣይሁድ ስለ ዝፈርሀ እዩ /ዮሓ 9፡22/።

 ካልኣይ፦ ብለይቲ ምምጽኡ ኣብ ክርስቶስ እምነት ስለ ዘይነበሮ እዩ።
ሣልሳይ፦ ክሳዕ ሎሚ መምህር እናተባህለ ነይሩስ፡ ሕጂ ኣብ ክርስቶስ ይመሃር ኣሎ፡ ከይብልዎ ውዳሴ ኸንቱ ስለ ዝደለየ እዩ።

 ኣብዚ ከም ንርእዮ ኒቀዲሞስ ነዞም ሎሚ ዲያቆናትን ካህናትን ስለ ዝኾኑ ጥራይ ኣብ ቤት ትምህርቲ ሰንበትን ኣብ ካልኦት ዓውድታት ናይ ቤተ ክርስቲያን ንዝወሃብ ትምህርታት ሕቖኦም ሂቦምዎ ዝኸዱ ኣገልገልቲ ይመስል። ዲያቆን ተባሂልካ ካህን ተባሂልካ ከመይ ጌርካ ኣብ ትሕቲ መምህር  ኮፍ ኢልካ ትመሃር፧ ትብል በትሪ ናይ ዲያብሎስ ኮብኪባ ካብ መቕስን ካብ ጉባኤን ከተውፅኦም ከላ ድማ ኣዝዩ እዩ ዘኅዝነካ። ትሕት ኢልካ ቃሉ ምስማዕ ብፍላይ ድማ ምስ ትምህርቲ ሰንበት ምሕዋስ ዘኅፍሮም ኣገልገልቲ ብዙኃት እዮም። ከም ናተይ ግና እቲ ዘኅፍር ንዝተሸምካሉ ዕላማ ዘንጊዕካ ቃሉ ካብ ምስማዕ ምህዳም ደኣ እምበር፡ ኣብ ትሕቲ መምህርን ኣብ ትሕቲ እቶም ንስኻ ብሽመትን ብመዓርግን እትበልጾም ኮፍ ኢልካ ምምሃር ዘኅፍር ኣይኮነን። ምኽንያቱ ከምዚ እንተ ደኣ ጌርካ ነቲ “ካባይ ተመሃሩ” ዝብል ትእዛዝ ኣምላኽ ኣኺብርካ ማለት እዩ።


 ኣምላኽና “ካባይ ተመሃሩ” ዝበለና ቃል ደኣ መዓስ ኪንጥቀመሉ ኢና/ማቴ 11፡29/፧ ንሱ ፈጣሪ ክነሱ “ኣብ ቤተ መቕደስ ኣብ ማእከል መምህራን ተቐሚጡ እናሰምዖምን እናሓተቶምን ረኸብዎ” /ሉቃ 2፡46/ ካብ ተባህለሉ፡ እዚ ድማ ንኣና ኣብነት ካብ ኮነና ኣሠሩ ኪንስዕብ ድማ ግዴታና እዩ።

 ቅዱስ ኣውግስጢን፦ ኒቆዲሞስ ፍሉጥ መምህር ስለ ዝነበረ ኣብ እግሪ ጐይታ መጺኡ ክመሃር ክርእይዎ ስለ ዘኅፈሮ እዩ ብለይቲ ዝመጽአ፡ ከም ናተይ ግና እቲ ዝዓበየ ሓጐስ ሰባት ከፍ ኢሎም ናተይ ትምህርቲ ክሰምዑ ዘይኮነስ ኣነ ኣብ ትሕቲ መምህር ኮፍ ኢለ ትምህርቲ ክሰምዕ እዩ” ይብል። 

 ረቢ (መምህር)፡ ብጀካ እቲ ኣምላኽ ምስኡ ዝኾነ ሰብ፡ ነዚ ንስኻ እትገብሮ ዘሎኻ ተኣምራት ኪገብሮ ዚኽእል ሓደ እኳ የልቦን እሞ፡ ንስኻ መምህር ኴንካ ካብ ኣምላኽ ከም ዝመጻእካ፡ ንፈልጥ ኢና።

 ካልኣይ፦ መምህር ክትምህር ኢልካ ካብ እግዚአብሔር አብ ኣካል ዘእም ኣካል ባህርይ ዘእም ባህርይ ተወሊድካ ከም ዝመጻእካ ንፈልጥ ኢና። ከመይ እግዚአብሔር አብ ኣብ ህልውናኻ ዘሎ ንስኻ እንተ ዘይኮይኑ፡ ነዚ ንስኻ ትገብሮ ዘለኻ ተኣምራት፡ ኪገብር ዝኽእል ሓደ እኳ የልበን በሎ። 

 ቅዱስ ቄርሎስ ዘኢሩሳሌም፦ “ኒቆዲሞስ ‘ጐይታይ ጐይታይ ብምባልን ጐይታ ዝገበሮም ተኣምራት ርኢኻ ብምድናቕን ጥራይ ድኅነት ዝርከብ መሲልዎ ነይሩ። ስለዚ ድማ እዩ ‘ብጀካ እቲ ኣምላኽ ምስኡ ዝኾነ ሰብ፡ ነዚ ንስኻ እትገብሮ ዘሎኻ ተኣምራት ኪገብሮ ዚኽእል ሓደ እኳ የልቦን እሞ፡ ንስኻ መምህር ኴንካ ካብ ኣምላኽ ከም ዝመጻእካ፡ ንፈልጥ ኢና” ዝበለ።

 ቅዱስዮሐንስ ኣፈወርቅ፦ “ኦ! መምህር ብምባልካ ጥራይ  ድኅነት ከም እትረክብ ጌርካ ኣይትሕሰብ ናብታ ምድኃን እትፍጸመላ ሕይወት ንምእታው መጀመርታ ዳግማይ ክትውለድ ኣሎካ” ይብል። 

 ቅዱስ ጎርጎርዮስ ዘእንዚናዙ፦ “ብርግጽ  ካብ ናይ መንፈስ ቅዱስ ሓድሽ ልደትን ብሓድሽ ልደት ዝተፈጥረ ሓድሽ ሰብነትን ምስ ረኸብና ንሱ ክርስቶስ መን ከም ዝኾነ ብትኽክል ንፈልጦ” ይብል።

/3/ ኢየሱስ ድማ፥ ካልኣይ ጊዜ ዘይተወልደ፡ ንመንግሥቲ ኣምላኽ ከም ዘይርእያ ብሓቂ ብሓቂ እብለካ ኣሎኹ፡ ኢሉ መለሰሉ። 

ቅዱስዮሐንስ ኣፈወርቅ፦ ብሓቂ ብሓቂ እብለካ ኣለኹ ንስኻ ጥራይ ዘይኮንካ ማንም ሰብ ዳግማይ ከይተወለደ መንግሥተ ሰማያት ክኣቱ ዝኽእል የልቦን።ብኻልእ ኣገላልጻ ዳግማይ ከይተወለደ ማለት ንሓድሽ ልደት ካብ ዝኸውን ምሕጻብ ማይን ብመንፈስ ቅዱስ ከይተሓደስካን ብዛዕባይ እትሓስቦ ዘበለ ኵሉ ሥጋውን ደማውን እዩ። ኣነ ግና ንኣኻ ከም ዝመስለካ ቅድሚ ሕጂ ከም ዝለኣኽክዎም ነቢያትን መምሃራንን ኣይኮንኩነ፡ እንታይ ደኣ ኣነስ እቶም ንስኻ እትፈልጦም ነቢያት ክወርድ እዩ ክውለድ እዩ ኢሎም ትንቢት ዝተዛረቡለይ መሲሕ ኢየ። ስለዚ ብጥምቀት ዳግማይ ተወሊድካ መንፈስ ቅዱስ እንተ ዘይኃዲሩካ ክርስቶስ ናይ ባህርይ ኣምላኽ እዩ ኢልካ ክትኣምን ኣይትኽእልን ኢኻ።

 /4/ ኒቆዲሞስ ከኣ፥ ንሰብከ ምስ ዓበየ፡ ኪውለድ ከመይ ኢሉ ይኽእል፧ መሊሱ ናብ ከርሲ ኣዲኡ ኣትዩስ ካልኣይ ኪውለድዶ ይከአሎ እዩ፧ በሎ። 

መግለጺ፦ ኒቆዲሞስ ከምዚ ዝበለ ብቑሙ ልደተ ሥጋ መሲልዎ እዩ።

 ቅዱስ ዮሐንስ ኣፈወርቅ፦ ፧ሎሚውን ብዙኃት ከም ኒቆዲሞስ ከመይ ገይሩ ቅደሚ ዓለም ካብ ኣቦ ተወሊዱ፧ ኣምላኽሲ ከመይ ገይሩ ሰብ ኮይኑ፧ ሰብከ ከመይ ገይሩ ኣብ ማይ ብምእታው ዳግማይ ክውለድ ይኽእል፧ እናበሉ ፍጥረታዊ ምኽንያታት የቕርቡ ኢዮም። ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ግና ከምዚ እናበለ ይምልሰሎም “እቲ ሥጋዊ ሰብ ነቲ ኣብ መንፈስ ኣምላኽ ዘሎ ኣይቅበሎን፡ ብመንፈስ ዝምርመር ስለ ዝኾነ ንእኡ ዕሽነት እዩ እሞ ከስተውዕሎ ኣይከኣሎን” 1ቆሮ 2፡14 ደጊሙ ውን “እቲ ወንጌልና ሥውር እንተ ኾነ ኣብቶም ዝጠፍኡ እዩ ዝተሠወረ እቲ ብርሃን ወንጌል ናይ ክብሪ ክርስቶስ ንሱ ኸኣ ምስሊ ኣምላኽ ምእንቲ ከየብርሃሎምሲ ገዛኢ እዛ ዓለም እዚኣ ንሓሳብ እቶም ዘይኣምኑ ኣዕወሮ”  ይብል /1ቆሮ 2፡14-15 2ቆሮ 4፡3-4/።

 ቅዱስ ኣውጉስጢን፦ ኒቆዲሞስ ግና ሰብ ካብ ኣዳምን ሔዋንን ክውለድ ደኣ እምበር ካብ ቅድስት ሥላሴ ካብ ቤተ ክርስቲያን (ብምሥጢረ ጥምቀት ኣቢሉ) ዝርከብ ረቂቕ ልደት እንታይ ከም ዝኾነ ኣይፈለጠን። ኒቆዲሞስ ሞት ዝወልዱ ደኣ እምበር ሕይወት ዝወልዱ ወለዲ ኣይፈልጥን እዩ። ምድራዊ ደኣ እምበር ሰማያውን ረቂቕን ልደት ኣይፈልጥን እዩ። ካብ ፍቓድ ሰብኣይን ሰበይትን ዝርከብ ልደት እምበር ካብ ኣብን ወልድን መንፈስ ቅዱስን ዝርከብ ልደት ኣይፈልጥን እዩ። 

/5/ ጐይታ ኢየሱስ ከኣ ከምዚ ኢሉ መለሰሉ፡ ብሓቂ እብለካ ኣሎኹ፡ ካብ ማይን ካብ መንፈስ ቅዱስን ዘይተወልደ፡ ማለት  ጥምቀት ክርስትና ዘይተጠመቐ ናብ መንግሥቲ ኣምላኽ ኪኣቱ ከም ዘይኽእል ብሓቂ ብሓቂ ይብለካ ኣሎኹ።

 ቅዱስዮሐንስ ኣፈወርቅ፦ “እዚ ከመይ ኢሉ ይኸውን ኢሉ ከም ኒቀዲሞስ ዝሓትትን ዝጠራጠርን እንተሎ  ንሕና ድማ ተመሊስና ከምዚ እናበልና ንሓቶ “ኣዳም ከመይ ኢሉ እዩ ካብ ሕቱም መሬት ዝተወለደ፧ ኣቐዲሙ ሓመድ ነይሩ ከመይ ገይሩ ዝተፈላለየ ኣካል ዘለዎ ሰብ ኮነ፧ ኣኅዋተይ ኣብ ዘፍጥረት መጀመርታ ከም ዝረኣናዮ ሓመድ ሓመድ እዩ እግዚአብሔር ብኢዱ ምስ ሠርሖ ግና ሰብ ኮነ፡ ሕጂውን ሰብ ኣብ ማኅፀነ ዮርዳኖስ ብእደ መንፈስ ቅዱስ ሓድሽ ኮይኑ ይፍጠር። እንተኾነ ግና እዚ መለኮታዊ ኣሠራርሓ ስለ ዝኾነ ሰብኣዊ ኣመክንዮ ክንህቦ ኣይንኽእልን። ስለዚ እንኣምን ደኣ እምበር እንጠራጠር ኣይንኹን” ይብለና።

/6/ ከመይ እቲ ካብ ሥጋ ዝተወልደ ሥጋዊ እዩ፡ እቲ ካብ መንፈስ ዝተወልደ ኸኣ መንፈሳዊ እዩ። 

 ቅዱስ ባስልዮስ ዓቢይ፦ ብርግጽ ሰብ ሓድሽ ሕይወት ንምጅማር ነቲ ኣረጊት ሰብነት ክድርብዮ ይግባእ። እዚ ንኽኸውን ድማ ኣረጊት ሰብነቱ ክመውት ኣለዎ። እዚ ዝኸውን ድማ ከምቲ ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ኣብ ሮሜ 6፡5 ዝበሎ ብመገዲ ጥምቀት ኣቢሉ እዩ” ይብለና።

/7/ ቀዳማይ፦ ካልኣይ ኪትውለዱ ኣለኩም ስለ ዝበልኩኻ ኣይትገረም፡ 

ካልኣይ፦ በዚ ኸይትግረምሲ ካልኣይ ኪትውለዱ ግዲ እዩ።

 ቅዱስ ኣትናቴዎስ፦ ኣብ ሰሌዳ ዝተሣዕለ ሥዕሊ ካብ ደገ ብዝመጸ ሓመድ ምስ ዝረስሕ እቲ በዓል ሥዕሊ ምእንቲ እቲ ሥዕሉ ክብል ነቲ ርስሓት ብምእላይ ናብቲ ናይ መጀመርታ መልክዑ ንኽመልሶ ዝከኣሎ ዘበለ ይገብር። ንጹሓ ባህርይ ዝኾነ እግዚአብሔር ድማ ብኣርኣያኡ ተፈጢሩ ዝነበረ ሰብ ንኸሐድሶ ብኃጢኣት ወዲቑ ንዝነበረ ኃጢኣቱ ብምድምሳስ ንኽደልዮን ንኽረኽቦን መጸ። ባዕሉ ኣብ ወንጌል “ኣነ ንዝጠፍኣ ክደሊ ኢየ ዝመጻኹ” ከም ዝበለ ሉቃ 19፡10 ስለዚ ሰብ ካብ ማይን ካብ መንፈስ ቅዱስን እንተዘይ ተወሊዱ “ሓመድ ኢኻ’ሞ ናብ ሓመድ ክትምለስ ኢኻ” ዝብል ኣረጊት መንነነቱ ኂዙ እዩ ዝቕጽል። ዳግማይ ልደት ዝብል ድማ እንደገና ካብ ማኅፀን ኣዲኡ ክውለድ ዘይኮነ ነፍሲ ብኣርኣያ ወይ ብመልክዕ እግዚአብሔር እንደገና  ምፍጣራን ምውላዳን ዘመልክት እዩ።

/8/ ቀዳማይ፡ ንኣብነት ንፋስ ናብ ዝደለዮ ይነፍስ፡ ባሕሪ ኪግሥፅ ገረብ ኬናውጽ እናከሎ ደሃዩ ትሰምዕ፡ ካበይ ከም ዚመጽእ ናበይውን ከም ዚኸይድ ግና ኣይትፈልጥን ኢኻ።

መግለጺ፦ ኣብ ኣርባዕቲኡ መኣዝናት ዓለም 12 መሳዅቲ ንፋስ ኣሎ ሄኖክ 12፡1-4/። እቲ ኻብ መንፈስ ዝውለድ ዘበለ ድማ ከምኡ እዩ ማለት ብርቀት እዩ ዝውለድ።

ካልኣይ፦ መንፈስ ረድኤት ኣብ ዝደለዮ ይኃድር ፡ ትንቢት ከናግር ሱባኤ ኬቚጽር ከሎ ትሰምዕ። ካበይ ከም ዝመጽእ ናበይውን ከም ዝኸይድን ማለት ሃብቲ ሙሴ ናብ ኢያሱ፡ ሃብቲ ኤልያስ ናብ ኤልሳዕ ከመይ ኢሉ ከም ዝወሃብ ግና ኣይትፈልጥን /ዘኁ 27፡23 2ይ ነገሥ 2፡9-14/።

ሣልሳይ፦ መንፈስ ቅዱስ ኣብ ዝደለዮ ይኃድር፡ ቋንቋ ኬናግር ምሥጢር ኬተርጕም ከሎ ትሰምዖ፡ ካበይ ከም ዝመጽእ ናበይውን ከም ዝኸይድ ግና ኣይትፈልጥን። እቲ ካብ መንፈስ ቅዱስ ዚውለድ ድማ ከምኡ እዩ፡ ማለት ብርቀት እዩ።

 ቅዱስ ቴዎዶር፦ “ከም እንውለድ ንፈልጥ ኢና፡ ከመይ ኢሉ ከም ዝወልደና ግና ኣይንፈልጥን። ኣብ በዓለ 50 ከም ዝኾነ መንፈስ ቅዱስ ምሥጢር ክገልጽ ትንቢት ከዛረብን ከነስተውዕሎ ንኽእል ኢና ከመይ ኢሉ ከም ዝኃድር ክንፈልጥ ግና ኣይከኣልን፡ ብሰብኣዊ ኣረዳደኣ ክንርድኦ ኣይንኽእልን” ይብል።

 ቅዱስ ኣውጉስጢን፦ “ካብ መንፈስ ቅዱስ ዝውለድዎ ልደት ከምዚ እዩ። እዚ ማለት ዳግማይ ዘይተወለደ ሰብ ንስኻ ካበይ ከም ዝመጻኻን (ከም ዝተወለድካን) ናበይ ከም እትኸይድን (ካልእ ሃገር ከም ዘለካ) ኣይፈልጥን /ፊል 3፡20/”

Thursday 30 March 2017

ትምህርተ ጾም ዘኦርቶዶክስ መበል 23 ክፋል

5/ መንፈሳውያን ኣገልገልቲ ኣገልግሎቶም ብፍቕሪ ኪኸውን ይግባእ።

ቅዱስ ኣውጎስጢን፦ “እቲ በዓል ክልተ ድማ ፍቕሪ ብጻይ ዘለዎ እዩ፡ ክልቲኦም ግና ብጐይታ ሓደ ኮይኖም ኢዮም። እቲ ርኅሩኅ ሳምራዊውን ነቲ ቆሲሉ ዝነበረ ኃው ክልተ ዲናር ከፊልሉ እዩ፡ እታ መበለት ድማ ንእግዚአብሔርን ንድኻታትን ብምፍቃራ ክልተ ሳንቲም ሂባ ኢያ፡ ቅዱሳን መላእኽቲውን ኣብ ትንሣኤ ናይ ጐይታ ሓደ ብትርኣሱ ሓደ ድማ ብትርጋጹ ነበሩ፡ እዚ ድማ ምልክት ናይቲ ንሰማያውያንን ንምድራውያንን ሓደ ዝገበረ ፍቕሪ ክርስቶስ እዩ። ስለዚ በዓል ኃሙሽተን በዓል ክልተን ብዝነበሮም ፍቕሪ እግዚአብሔርን ፍቕሪ ብጻይን ሰማያዊ ዋጋኦም ክቕበሉ እንከለዉ፡ እቲ በዓል ሓንቲ መክሊት ግና ነቶም ንኣይ ይጥዓመኒ ዝብሉ ፍቕሪ እግዚአብሔርን ፍቕሪ ሰብን ዘይብሎም ስሱዓት ሰባት ዘመልክት እዩ” ብምባል ይትንትኖ። 

ኣብ ዘመንና ካብ ዝርአ ናይ ኣገልገልቲ ሽግራት ሓደ ፍቕሪ ምስኣን እዩ። ነፍሲ ወከፍ ኣገልጋሊ ብዛዕባ ካልእ ኣገልጋሊ እንተ ሓቲትካዮ ናቱ ሕማቕ እምበር ናቱ ጽቡቕ ኣይዛረብን እዩ። ብፍልጠት ይኹን ብመንፈሳውነት ንሱ ዝበለጸ ከም ዝኾነ ገይሩ ስለ ዝቖጽራ፡ ጽቡቕ ሥራሕ ናይ ካልኦት ኣገልገልቲ ከቃልል ይስማዕ። ንኻልኦት ብምንዓቕን ብምንሻውን ንሱ ዝዓበየ ከም ዝኾነ ብቐጥታን ብተዛዋዋርን መገዲ ንሰባት ከእምን ይፍትን። እዚ ድማ ሥዉር ትዕቢት እዩ። እዚ ማለት ኣነ ይበልጽ ኣብ ክንዲ ምባል እከለ ሕማቕ እዩ ምባል እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ግና “ንሓድሕድኩም ሓንቲ ሓሳብ ሕሰቡ። ምስቶም ታሕቶት ትሕት በሉ እምበር፡ ኣብቲ ልዕል ዝበለ ነገር ሓሳብኩም ኣይተውድቑ። ጠቢባን ኢና ኢልኩም ብርእስኹም ኣይትሕሰቡ” ይብለና/ሮሜ 12:16/።

 ገለ ድማ ብሥጋዊ ጥቕሚ ነቶም ጥቕመይ ይቃጸጹኒ እዮም ኢሉ ዝሓስቦም ኣገልገልቲ ይጸልእ። ናይ ሽመትን ናይ ሥልጣንን ሕማም ዘለዎ ድማ ነቶም ብሽመትን ሥልጣንን የስግኡኒ እዮም ዝብሎም ሰባት ብዙኅ መከራ ከም ዝወርዶም ብምግባር ኣንጸርጺሮም ካብኡ ከም ዝርሕቁ ይገብር። ኮታስ ኣገልገልቲ ኣብ ሓድሕዶም ዘሎ ጽልኢ ንሓድሕዶም ብምንቕቓፍን ብምንእኣስን ብምንሻውን ከውፅእዎ ይረኣዩ። ኣብ ክንዲ እዚ ግና ንሓደ ኣገልጋሊ ናይ ቤተ ክርስቲያን ነቲ ዚሠርሖ 10% ጌጋ ገዲፍካን ሸፊንካን በቲ ዚሠርሖ 90% ጽቡቕ ኪምስገንን ኪምጐስን ኪነኣድን ኪተባባዕን ይግባእ ነይሩ። ነዚ ድማ እዩ ሓዋርያ ቕዱስ ጳውሎስ “ንሓድሕድኩም ብምክብባር እናተቓዳደምኩም፡ ብፍቕሪ ኣሕዋት ንሓድሕድኩም ብለውሃት ተፋቐሩ” ዝበለና /ሮሜ 12:10/።

ከምቲ ጐይታና ዝበሎ “ንሓድሕዳ እተፈላለየት ኵላ መንግሥቲ ትዓኑ፡ ንሓድሕዳ እተፋላለየት ኵላ ኸተማ ወይስ ቤት ድማ ኣይትነብርን እያ”  /ማቴ 12፡25/ ንሓድሕድሕድና ከይንጠፋፋእ ኪንጥንቀቕ ይግብኣና። ቅዱስ ጳውሎስ ሓዋርያ “ንሓድሕድኩም እንተ ተናኸስኩምን ተባላዕኩምን ግና፡ ንሓድሕድኩም ከይትጣፍኡ ተጠንቀቑ” / ዝበላና ድማ ነዚ እዩ ገላትያ 5:15/። ስለዚ ሕጂውን ኣብ ሓድሕድና ምክሳስን ምውንጃልን ገዲፍና ንሓድሕድና ብምክብባርን ብምትብባዕን ብፍቕሪ እንተ ዘየገልጊልና፡ ዕዉት ሥራሕ ኪንዓዪ ከም ዘይንኽእልን ገብርኄር ዝብል መጸውዒ ድማ ከም ዘይንሰምዕን ብምሕሳብ ንፍቕሪ ንተንሥእ። ፍቕሪ ዘይብሉ ኣገልግሎት ግና ኵሉ ከንቱ እዩ። ስለዚ ድማ እዩ ጐይታና ዝበዝኀ ትምህርቱ  ብዛዕባ ፍቕሪ ዝነበረ።

 “ንሓድሕድኩም ክትፋቐሩ፡ ከምቲ ኣነ ዘፍቀርኩኹም፡ ከምኡ ጌርኩም ከኣ ንሓድሕድኩም ክትፋቐሩ፡ ሓድሽ ትእዛዝ እህበኩም አሎኹ” /ዮሐ 13:34/። 

 “ንሓድሕድኩም ፍቕሪ እንተላትኩም፡ በዚ ደቀ መዛሙርተይ ምዃንኩም ኵሉ ኺፈልጥ እዩ” /ወ. ዮሐንስ 13:35/። 

“ከምቲ ኣነ ዘፍቀርኩኹም፡ ነንሓድሕድኩም ክትፋቐሩ፡ ትእዛዘይ እዚ እዩ” /ወ ዮሐንስ 15:12/። 

“ንሓድሕድኩም ክትፋቐሩ፡ እዚ እእዝዘኩም አሎኹ” /ወ. ዮሐንስ 15:17/ ዝብሉ ቃላት ድማ ንምስክር እኹላት እዮም። ንሓድሕድና እንተ ተፋቒርና ኣገልግሎትናውን ንኣምላኽ ብምፍቃር ዝፍጸም ሰባት ዝቕይር ደስ ዘብል ቅቡል ኣገልግሎት ይኸውን።

ፖፕ ሺኖዳ ሣልሳይውን፦ “ኣገልግሎት ብዘይ ፍቕሪ ብዘይመንፈስ ወይ ብዘይ ፍረ ፍልጠት ምትኅልላፍ ኮይኑ ይተርፍ” ብምባል ኣገልግሎትና ብፍቕሪ ደስ ኢሉና ኸነገልግል ደኣ እምበር፡ ከምቲ ኣብ ቤት ኣቡኡ ምግልጋል ከም ባርነት ገይሩ ዝቖጸሮ ውሉድ ኺንከውን ከም ዘይግብኣና ይምዕዱ /ሉቃ 15/።

6/ መንፈሳውያን ኣገልገልቲ ጽቡቕ ኣርኣያ ኪኾኑ ኣለዎም

 ክርስትና ብተግባር ዝፍጸም ሃይማኖት እምበር ናይ ሓሳብ መስመር ኣይኮነን። ክርስቶስ ዝኣዘዘና ትእዛዛት ንሱ ኣቐዲሙ ብተግባር ፈጺምዎም እዩ። ስለዚ ናቱ ኣገልገልቲ ድማ ብቓል ጥራይ ዘይኮነ ንዕኡ ኪመስሉ ይግባእ። ኣንጻር ትምህርቶም ዝነብሩ እንተ ኾይኖም ግና ትምህርቶም ውፅኢት ዘለዎ ኣይከውንን። 

ፖፕ ሺኖዳ ሣልሳይ፦ መንፈሳውያን ኣገልገልቲ ትምህርቲ ዝህቡ ጥራይ ዘይኮኑ ንሳቶም ንባዕሎም ትምህርቲ እዮም። “ጽቡቕ ኣርኣያ ብምዃን ዝስበኽ ስብከት ናይ ጸጥታ ስብከት       ተባሂሉ ይፍለጥ። እቲ ዝሰብኽ ዘረብኦም ዘይኮነ ሕይወቶም እዩ” ብምባል ዝገለጽዎ ድማ እዚ እዩ።

 ቅዱስ ዮሓንስ ኣፈወርቅውን እዚ ዓይነት ስብከት እዚ ምውታን እናተንሣእኻ ካብ ዝግበር ተኣምር ንላዕሊ ንሰባት ናብ ሃይማኖት ኪስሕቦም ከም ዝኽእል ከምዚ እናበለ የረድኣና፦ “ብኽፍኣት ዚሰኸሩ ሰባት፡ ተኣምራት ጌርና ሙታን ኣተንሢእና ካብ ነርእዮም ንላዕሊ፡ ብትሕትናና፡ ብጭዋነትና፡ ብትዕግሥትና፡ ኣዝዮም እዮም ዚማረኹ። ሓደ ምዉት ምትንሣእ እንታይ የደንቕ፧ ኣብ ዳግም ምጽኣት ኵሉ ሰብ ብቕጽበት ዓይኒ  ዝትንሥእዶ ኣይኮነን፧ ሰባት ካብ ብፍቕሪ ንላዕሊ ብዝኾነ ይኹን ካልእ ዓይነት መገዲ ካብ ክፍኣቶም ኪንመልሶም ኣይንኽእልን ኢና። ፍቕሪ ንሰባት ካብ ኣራዊትነቶም ኣውፃኣ ሰባት ከም ዝኾኑ ትገብር ዓባይ መምህር እያ። ስለዚ ብዙኃት በረኸታት ኣብ ልዕሌና ምእንቲ ክፈሱን ነቲ ፈጺሙ ዘይብስብስን ዘይበላሾን ፍሬኦም ኵሉ ጊዜ ምእንቲ ኪንበልዕን፡ ነታ ናይ ኵሉ ሰናይ ተግባር ርእሲ ዝኾነት ፍቕሪ ኣብ ውሻጠ ልብና ንትከላ።

7/ ኣገልገልቲ ዝምህርዎ ትምህርቲ ከም ናይ ተማሃሮ (ሰማዕቲ) ናይ ፍልጠት ደረጃ መጠን ክኸውን ኣለዎ።

መንፈሳውያን ኣገልገልቲ ደረጃ ፍልጠት ናይ ሰማዕቶም ኣቐዲሞም ብምርዳእ፡ ከከም ዓቕሞም ዝኾነ ቓል መሪጾም ኪምህሩ ደኣ ይግባእ እምበር፡ ከም ናይ ባዕሎም ናይ ፍልጠት ደረጃ ጥራይ ኪጓዓዙ የብሎምን። 

ብርሃን ዓለም ሓዋርያ ቕዱስ ጳውሎስ “ከም ምንዋሕ ዘመንስ መምህራን ክትኰኑ እኳ ምተገብኣኩም ነይሩ፡ ነቲ ናይ መጀመርታ ትምህርቲ ቘልዑ ናይ ቃል ኣምላኽ ከም ብሓድሽ ኪምህሩኹም የድልየኩም ኣሎ እሞ ጸባ ደኣ እምበር፡ ዕጹም ብልዒ ኣየድልየኩምን እዩ” ብምባል ንሰብ ዕብራውያን ዚለኣኸሎም መልእኽቲ ድማ ነዚ ዘረድእ እዩ…” /ዕብራውያን 5:12-13/። ስለዚ ንጀመርትን ንማእከላውያንን ነቶም ጽቡቕ ኣፍልጦ ዘለዎምን ፈላልዮም ወይ ንዅላቶም ዝምጥን ትምህርቲ ክህቡ ይግባእ። 

8/ መንፈሳውያን ኣገልገልቲ ትምህርቲ ቅድሚ ምድላዎም ንባዕሎም ይዳለዉ ዮሐ 17፡19 1ጢሞ 4፡16

ፖፕ ሺኖዳ ሕጂውን፦ ትምህርቲ ንምድላው ወይ ንኻልኦት ፍልጠት ንምዕዳል ኢልካ ጥራይ ዘይኮነ ስለ መንፈሳውነትካ ክትብል ኣንብብ።

ጐይታና ንሰማርያን ንዓለም ምሉእን ወንጌል ቅድሚ ምስባኽና ንኢዮርሳሌም ቅድም ክንሰብኽ ዝኣዘዘና፡ መምህራን ቅድሚ ንኻልእ ኢሎም ምድላዎም ንነብሶም ከዳለዉን ክምህሩን ከም ዘለዎም ንምርዳእ እዩ። ኢዮርሳሌም ኣብ ውሽጥና ናይ ዘላ ናይ ልብና ከተማ እያ” ብምባል ይመኽሩና።

9/ መንፈሳውያን ኣገልገልቲ ንነብሶም ነዘን ዝስዕባ 3 ሕቶታት ክሓቱ ይግባእ።

1. ብዛዕባ ናይ ኣገልግሎቶም መንፈሳውነት
2. ብዛዕባ ሕይወቶም መንፈሳውነት
3. ብዛዕባ ደቆም (ምእመናን) መንፈሳውነት

10/ . ኣገልግሎት ቅድሚ ምጅማርካ ካብ ልብኻ ጸሊ

11/ መንፈሳውያን ኣገልገልቲ ናይ ምምሃርን ምግልጋልን ትርጉም ፈላልዮም ኪፈልጡ ይግባእ።
 ምምሃር ፍልጠት ናብ ናይ ሰማዕቲ ሕልና ምኅላፍ ማለት እዩ፡ ኣገልግሎት ግና መንፈሳዊ ሰብ ኴንካ ነፍሳት ናብ ናይ እግዚአብሔር ምትኅልላፍ ማለት እዩ።
12/ መንፈሳውያን ኣገልገልቲ ንሳቶም ንባዕሎም ተማሃሮ ምዃኖም ኪፈልጡ ይግባእ።

ፖፕ ሺኖዳ፦ መንፈሳውያን ኣገልገልቲ ከም ተማሃራዮም እዮም ዝነብሩ። ልክዕ ከምቲ ንሳቶም ንተማሃሮኦም ዝህብዎ ሓድሽ ትምህርቲ፡ ንሳቶም ውን ካብ እግዚአብሔር ሓድሽ ትምህርቲ እናተማህሩን እናተላመዱን ይኸዱ” ይብሉ። 

 ቅዱስ ኣውግስጢን “ኣነ ናይዚኦም መምህር እየ ኣባኻ ግን ተማሃሪ እየ ኣነ ናታቶም ጓሳ እኳ እንተ ኾንኩ ንዓኻ ግን ሓደ ካብተን ኣባጊዕ እየ” ይብል።

13/ መንፈሳውያን ኣገልገልቲ ነቶም ምሳኦም ዝውዕሉ ዝነብሩን ሰባት በረኸት እዮም። ዘፍ 12፡2-3 ኤልያስ ኣብ ቤት እታ መበለት ዮሴፍ ኣብ ግብጺ ኖህ ብኡኡ ምኽንያት ዓለም ስለ ዝተሓለወት ንኹሉ ዓለም በረኸት ነበሩ።

14/ . ንሰባት ከከም ደረጃ ናይ መንፈሳዊ ሕይወት ምምራሕ ዮሐ 16፡2 1ቆሮ 3፡2 ግ.ሐ 15፡10

መንፈሳውያን ኣገልገልቲ ነፍሳት ቀልጢፈን ብዘይ ምቕያረን ተስፋ ኪቖርጹ የብሎምን

 ቅዱስ ዮሓንስ ኣፈወርቅ “ኣብ ማኅፀን ዘሎ ዕሸል ቅድሚ ምውላዱ ብዙኅ ኣዋርኅ ከም ዘድልዮ ንሕና ውን መንፈሳዊ ዕሸል ብዘይ ጊዜኡ ንኽውለድ ዘይኮነስ ብዝግባእ ክሳብ ዝዓቢ ትዕግሥተኛታት ክንከውን ኣለና” ብምባል ኣገልገልቲ ምእመናን ቀልጢፎም ቃል ኣምላኽ ሰሚዖም ሕይወቶም ዘይምልዋጡ ተስፋ ከቑርጾም ከም ዘይብሉ ይመክር። 

17/ መንፈሳውያን ኣገልገልቲ ካብ ውዳሴ ኸንቱ ኪሕለዉ ይግባእ

 ቅድስት እማሆይ ሰንቀሌጣ ከምዚ በለት “ምህላዉ ዝተረጋገጸ ገንዘብ እናጐደሎን እና ተወድአን ይኸይድ፡ ከምኡ ድማ ሠናይ ምግባር ኣብ ቅድሚ ሰባት እንተ ተፈልጠን እንተ ተገልጸን ኣብ ቅድሚ ሓዊ ቀሪቡ ከም ዝመክኽ ሽምዓ ይመክኽ። ነፍሲ ውን ኣብ ቅድሚ ሰባት ዝተመስገነት እንተ ኾይና ትደክም ኃይላ ድማ ይጠፍእ ይብላና።

መንፈሳውያን ኣገልገልቲ ጸርፍን ሓሜትን ውርደትን ነቐፌታን ደኣ እምበር  ስለ ብርቱዕ ጻዕርናን ጽፉፍ ሥራሕናን ምስጋና ክንጽበ ኣይግበኣናን። ጐይታና ንደቀ መዛሙርቱ “እንሆ፡ ከም ኣባጊዕ ናብ ማእከል ተዃሉ እሰደኩም አሎኹ። ደጊም ጠቢባን ከም ተመን፡ ገርህታት ከኣ ከም ርግቢ ኹኑ..ናብ ዋዕላ ኺወስድኹም፡ ኣብ ቤት ጸሎቶም ድማ ኪገርፍኹም እዮም፡...ስለ ስመይ ከኣ ኵሉ ሰብ ኪጸልኣኩም እዩ። እቲ ኽሳዕ መወዳእታ ዚዕገስ፡ ንሱ ኺድሕን እዩ” /ማቴ 10፡16-22/ ብምባል ካብ ሰባት ኣገልግሎት መከራን ጸርፍን መግረፍትን ሞትን ከም ዘስዕብ ደኣ እምበር ውዳሴን ምስጋናን ከም ዘስዕብ ኣይመሃረን። ስለዚ   ሰለ ዝተመዘዝካ ወይ ድማ ሰብ ብሥራሕካ ክንእዱኻ ኢልካ ዘይኮነ ብኣገልግሎትካ በረኸት ከም እትሓፍስ ካብ ልብኻ እመን። ብጸርፍን ብመግረፍትን ብሞትን በረኸት ከም ትሓፍስ እመን

 ቅዱስ ዮሓንስ ኣፈወርቅ፦ ሓደ ኣገልጋሊ “ሥርሑ ጽቡቕ ከም ዝኾነ ንዝገልጹ መግለጺታት ኪነቅፍ የብሉን፡ እንተ ኾነ ግና ዋላ ሓንቲ ዋጋ ክህቦምን ብውሽጡ ኪቕበሎምን ኣይግባእን። ድኂሮም እዞም ንጽቡቕ ሥርሑ ዚገልጹ ዚነበሩ ውዳሴታትን ጽቡቓት ቃላትን እንተ ተረፉዎ ኪጭነቕን ኣብ ዕላማኡ ኪጠራጠር ወይ ዕላማኡ ኪልውጥ ኣይግባእን ይብል።

Wednesday 29 March 2017

ትምህርተ ጾም ዘኦርቶዶክስ መበል 22 ክፋል



2/ መንፈሳውያን ኣገልገልቲ “ናይ እግዚአብሔር ሥራሕ ብሸለልትነት ዝሠርሕ ርጉም ይዅን” ዝብል ኣምላኻዊ ቃል ይጥንቀቕሉ /ኤር 48፡10 /። 

 ቅዱስ ኣውግስጢን፦ እዚ ሥራሕ  እዚ ንኣኻትኩም ከም ዘይምልከት ጌርኩም ኣይትቚጸርዎ፡ ብርግጽ ካብዞም ዓበይቲ ጸጋታት ኪትሠርሑ ኣይትኽእሉን ኢኹም፡ እንተኾነ ግና ከከም ዝተፈቐደልኩም ኣብ ብዙኅ ዕድላት ክትዋስኡ ትኽእሉ ኢኹም፡ ኣብ ኵሉ ኣብቲ ክርስቶስ ክስጎገሉን ክጽረፈሉን ዘዝረኣኽምዎ ተኸላኸልሉ፡ ነቶም ዘጉረምርሙ መልሰሎም፡ ነቶም ንእግዘአብሔር ዝጸርፉ ገሥጽዎም፡ ምሳታቶም ድማ ዕርክነት ኣይትግበሩ። ኣብ ገዛኹም ድማ ግቡእኩም ፈጽሙ። ኵሉ ርእሲ ናይ ገዛ ዝኾነ ሥራሕ ናይ ጳጳስ ይሥራሕ፡ እዚ ማለት ብዛዕባ ናይ ስድራቤተካ ተኸታተል ፡ ንዅላቶም ዓቢ ዋጋ ተኸፊልሎም እዩ’ሞ ሰበይትኻ ወይስ ወደኻ ወይስ ጓልካ ወይስ ሠራሕተኛኻ መናፍቕ ኮይኑ ኸይርከብ። ንሓደ ካብቶም ንኣሽቱውን ይኹን ነቶም ናትካ ሸለል ኣይትበል፡ ኣብ ክንዲ እዚ ኣብ ሓለዋ ድኅነት ናይ ኵሎም ኣባላት ቤትካ ጥንቁቕ ኩን፡ እዚ እንተ ደኣ ጌርካ መክሊትካ ብግቡእ ሠሪሕካሉ ኣለኻ ማለት እዩ። ስለዚ ከምቲ ሃካይ ኣገልጋሊ ኣይትቚጸርን ኢኻ፡ ነቲ ዝመጽእ ቅጽዓት ድማ ኣይክትፈርህን ኢኻ” ብምባል ነፍሲ ወከፍ ክርስቲያን ካብ ትህኪትን ሸለልትነትን ኪወፅእ ይመኽረና። 

ቀጺሉውን “እግዚአብሔር ተጸባዪ ናይ  መኽሰብ (ትርፊ) ኣይኮነን። ኣብ ብዝኂ (ኣብ ዓቐን) ዘይኮነስ  ኣብ ተኣማንነትን ሸለልትነትን ናይ ኣገልገልቱን እዩ ዝግደስ። እቶም ናይ ኃሙሽን ክልተን መክሊት ዝነበሮም ኣገልገልቲ “ኣብ ሥርሖም እሙናት” ብምንባሮም እዩ እቲ መኽሰቦም። እቶም ሰብ ሓደ መክሊት ግና ሽግሮም ዘይተገዳስነት እዩ፡ ስለዚ መክሊቱ ኃቢኡ፡ ናይ ትህኪት ሕይወት ድማ ይመርሕ ነበረ” ይብል። 

 ሸለልትነት ናብ ከመይ ዝበለ ዓቢይ ኃጢአት ከም ዝድርብየና ከረድእ ከሎ ድማ “እቲ ዘይሠርሐ ዘበለ መመሊሱ ይኸስር፡  ሓንቲ ኃጢኣት ብዙኅ ኃጢኣታት ትወልድ። እቲ ሃካይ ካልእ መኽሰብ ዘይ ምኽሳቡ ጥራይ ዘይኮነ፡ ነታ ዝነበረቶ ኣጥፊኡስ ንጐይታኡ ብምውቃስ ናብ ካልእ ኃጢኣት ወደቐ።  ትህኪቱን ሸለልትነቱን ንጐይታኡ “ጨካን” ኢሉ ንምውቃስ ደረኾ። ንእሽተይ ኃጢኣት ናብ ካልእ ኃጢኣት ትመርሓካ። ከምቲ ቅዱስ ዮሐንስ ዝበሎ “ዝኾነት ንእሽተይን ዘይትጠቅምን እትመስለና ኃጢኣት ናብቲ ዝዓበየ እያ ትመርሓና ስለዚ ጌጋና አብ መጀመርታ ከነጥፍኦ ክንቃለስ ኣለና” ይብል። 

 ቅዱስ ቄርሎስ ዓቢይ ድማ “እቲ ቀሊል ኮይኑ ዝረኣየና ግና ከኣ ኣዝዩ ሓደገኛን ኣዕናውን ዝኾነ ትህኪትን ሸለልትነትን እዩ.” ብምባል መንፈሳውያን ኣገልገልቲ ካብ ትህኪትን ሸለልትነትን ኪርሕቁ ከም ዘለዎም ይምህር።

 ሰሎሞን “ኣታኽልቲ ወይንና ዐምቢቡ እዩ እሞ፡ ነታኽልቲ ወይኒ ዜበላሽዋ ወኻሩ፡ ነተን ኰራኲር ወኻሩ ኣጻዊድኩም ኃዙልና” ብምባል ዚተዛረቦ ቓል ነዚ ዘነጽር እዩ /መኃ2፡15/። ኣብ ናይ እስራኤል ናይ ኣታኽልቲ ወይኒ (ጀርዲን) ወኻሩ ነቲ ወይኒ እናበላሸዋ ስለ ዘሸግራኦም፡ ነቲ ጀርዲን ብሓጹር ገይሮም ይሓጽሩዎ። ንማይ መእተዊ ዝኸውን መስኖ ግና ንእሽተይ ይኸፍቱሉ፡ በዚ ናይ መስኖ ማይ እተን ዓበይቲ ወኻሩ ኪኣትዋ ኣይክእላን እየን። እተን ንኣሽቱ ግና ኣትየን ነቲ ወይኒ ሰቢረን ከውፅኣ ኃይሊ ስለ ዘይረኽባ ኣቋሲለን ከም ዝበላሾ ይገብርኦ። እቲ ዋና ኣታኽልቲ ድማ ነቲ ዝተበላሸወ ቈሪጹ ንደገ ይድርብዮ፡ እተን ብደገ ዘለዋ ዓበይቲ ወኻሩ ድማ ብኸምዚ ጥበብ ይምገባ ነበራ።

 ዓበይቲ ወኻሩ ዚተባህላ ዓበይቲ ኃጢአታት እየን፡ ንኣብነት ዓሠርተ ትእዛዛት። ንኣሽቱ ወኻሩ ዚተባህላ ድማ ንኣሽቱ ኃጢአታት እየን። ንኣብነት ቅድሚ ምዝማውካ ናይ ዝሙት ፊልም ትርኢ፡ ንዝሙት ናብ ዝዕድም ቦታታት ትኸይድ ናይ ዝሙት መጻሕፍቲ ተንብብ እዚኣቶም ድማ ናብቲ ዓቢይ ኃጢአት የብጽሑኻ።

መናፍቕ ቅድሚ ምዃንካ ናይ መናፍቓን መዝሙር ትሰምዕ፡ መጻሕፍቶም ተንብብ፡ ናብ ኣብያተ ጸሎቶም ትኸይድ፡ ስብከቶም ትሰምዕ ምሳታቶም ዕርክነት ትገብር ቅንይ ኢልካ ድማ ወደ መዝሙሮም ጥራይ ዘይኮነስ በትሪ መናፍቓን ኴንካ ነዴኻ ቤተ ክርስቲያን ኪትሃርም ትመጽእ። ቅዱስ ጳውሎስ ነዚ ኣመልኪቱ ከምዚ ኢሉና ነይሩ፦ “ግናኸ ከምቲ ተመን ብጕርሑ ንሔዋን ዘስሐታ፡ ከምኡውን ሓሳብኩም ካብቲ ናብ ክርስቶስ ዚኸውን ገርህነትን ንጽህናን ምናልባሽ ከይጥፍእ እፈርህ ኣሎኹ። ስለዚ ሓደ እኳ፡ ንሕና ዘይሰበኽናዮ፡ ካልእ ኢየሱስ እንተ ሰበኸ፡ ወይስ ንስኻትኩም ዘይተቐበልኩምዎ ኻልእ መንፈስ እንተ ተቐበልኩም፡ ወይስ ዘይረኸብኩምዎ ኻልእ ወንጌል እንተ መጻኩም፡ ጽቡቕ ትዕገሥዎ ኣሎኹም” /2ይ ቆሮ 11፡3-4/።

ኣብዚ ናይ ቅዱስ ጳውሎስ ቃል ከም ዝረኣናዮ፡ ሔዋን መጀመርታ ዚሠርሓቶ ኃጢአት ብእዝና እዩ። እዝና ናይ እግዚአብሔር ዘይኮነ ካልእ ስብከት ኪሰምዕ ጀሚሩ። ናይ እግዚአብሔር ዘይኮነ ናይ ሰይጣን ድምፂ ኪሰምዕ ጀሚሩ፡ እዚ ድማ ናብ ሞተ ሥጋን ሞተ ነፍስን ኣብጽሓ። ጐይታናውን “እተን ኣባጊዕ ድምፁ የለልያኦ እሞ ይስዕባኦ፡ ድምፂ ኻልእ ዘይፈልጣ ስለ ዝኾና ካብኡ ይገልባ እምበር ኣይስዕባኦን እየን” ብምባል ኣባጊዑ ድምፁ ደኣ እምበር ድምፂ ናይ ካልእ ኪሰምዓ ከም ዘይግባእ ምሂሩና እዩ /ዮሓ 10፡4-5/።

 ብዙኃት ግና መዝሙሮም እንተ ሰማዕና እንታይ ኣለዎ፧ ኵሉ ኢየሱስ እንድዩ ዝብል፡ እናበሉ ኪጠፍኡ ንርእዮም ኢና። ቅዱስ ጳውሎስ ከም ዝምህረና ግና ንሳቶም ዝሰብክዎ “ካልእ ኢየሱስ” እዩ። ንሳቶም ዝሰብክዎ “ካልእ ወንጌል” እዩ፡ ንሳቶም ዝዝምርዎ ኢየሱስ ኣማላዲ ለማኒ ዝብል ካልእ መዝሙር እዩ። ስለዚ በጊዕ እንተ ዄንካ ድምፂ ጐይታኻ ጥራይ ስማዕ። ንእሽተይ ኃጢአት ናብ ካልእ ዝዓበየ ኃጢአት ከይተሰጋግረካ ንእሽተይ እናበልካ ኣይትንዓቃ ሸለልውን ኣይትበላ።

ኣብ ኣገልግሎትካ ሸለል ኣይትበል፡ ትጉህ ኵን፡ ዚተዋህበካ ኃላፍነት ብዝግባእ ሥርሓሉ፡ ኪትሠርሓሉ ዘይትኽእል እንተ ዄንካ ግና ብቕልጡፍ ኣረክቦ ካልኦት ኪሠርሕሉ ዝኽእሉ ሰባት ድለየሉ። ሥልጣን ተሰኪምካ ድቃስን ሸለልትነትን ግና ሰይጣን ቤተ ክርስቲያን ንምዕናው ዝጥቀመሉ ሞደሻ ስለ ዝኾነ ንቕሓሉ። እንተ ዘይኮነ ገብረ ሃካይ ዝብል ወቐሳን፡ ግብ ዝበለ ጸልማትን ኪኽተለካ ምዃኑ ኣይትዘንግዕ።

3/ መንፈሳውያን ኣገልገልቲ ካብ ተማሃሮኦም ንላዕሊ ተሓታትነት ከም ዘለዎም ኪፈልጡ ይግባእ።

 ቅዱስ ኣውግስጢን፦ ጐይታ ክጸባጸብ ክጅምር እንከሎ በቲ በዓል ኃሙሽተ ቀጺሉ በቲ በዓል ክልተ ድኃር በቲ በዓል ሓደ እዩ ጀሚሩ፡ እዚ ድማ በቲ ዝተዋህበና ጸጋ መጠን ካብቶም ካልኦት ኩነኔና ከም ዝቕድም ዘረድእ እዩ። ካብኦም ንላዕሊ ድማ ክንሕተት ኢና።

 ነዚ ዚተረድኡ ብዙኃት ቅዱሳን ኣበው ካብ ማዕርገ ክህነት ኪሃድሙ ይረኣዩ ነበሩ። ቅዱስ ኣትናቴዎስ ጵጵስና ከይሸምዎ ኢሉ ተኃብአ፡ ቅዱስ ዮሓንስ ኣፈወርቅውን  ናይ ቅድስና ሕይወቱን ምሁር ምዃኑን ዚረኣዩ ሕዝብን ካህናትን፡ ንእኡን ንባስልዮስ ዓርኩን (ዋላ እኳ ዕድሜኦም ብመሠረት ቀኖና ቤተ ክርስቲያን ንዚድለ ብውሑድ 30 ዓመት ዘይመልኡ እንተ ነበሩ) ጵጵስና ክሾምዎም ደለዩ። ንሱ ግና “ኣነ ነዚ ኸቢድ ኃላፍነት ኣይበቅዕን እየ። ነዚ ኸቢድ ዝኾነ ኃላፍነት ናይ ቤተ ክርስቲያን ብቑዕ ዝኾነን ዝጠቕመናን ባስልዮስ ኃወይ እዩ” ብምባል ንባስልዮስ ምእንቲ ኽሸምዎ ኢሉ ንሱ ተኃብአ። ባስልዮስ ነዚ ሽመት ዝተቐበሎ ድማ ዓርኩ (ቅዱስ ዮሓንስ ኣፈወርቅ) ምስኡ ዝሽየም መሲልዎ እዩ። እንተ ኾነ ግና ቅዱስ ዮሓንስ ኣፈወርቅ ንግዚኡ ስለ ዝተኃብአ ዓርኩ ባስልዮስ ጥራይ ተሾመ።

  ካብዚ ናይ ጵጵስና ሽመት “ጳጳስ ኣይከውንን እየ” ኢሉ ብምትራፉ ባስልዮስ በይኑ ብምሻሙን ዮሓንስ ብዘይ ምሻሙን ባስልዮስ ኣዝዩ ስለ ዝኾረየሉ፡ ክህነት ብዝምልከት (በእንተ ክህነት) ብምባል ዝጸሓፎም ኣዝዮም ኣደነቕቲ ዝኾኑ ሽዱሽተ ተኸታተልቲ መጻሕፍቲ ንምጽሓፍ ምኽንያት ኮኖ። እቶም መጻሕፍቲ ኣብ መንጎ ቅዱስ ዮሓንስ ኣፈወርቅን ቅዱስ ባስልዮስን ብዝግበር ቃለ መሕትት መልክዕ ዚተዳለዉ ኾይኖም፡ ናይ ክህነት ኃላፍነት፡ ጥቕምን ዕብየትን ፈተናታቱን ክብደቱን፡ ብሱል ብዝኾነ ናይ ኣዘራርባ ጥበብን ብዝረቐቐ ናይ ኣጸሓሕፋ ሜላን ዝገለጸሎም ዘደንቑ መጻሕፍቲ እዮም። ናይ ክህነት ቀንዲ መሣርሒ መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዝኾነ ኣነጺሩ ይገልጽ። ናይ ክህነት ኃላፍነትን ክብደትን ብምርዳእ፡ ናይ ክርስቶስ መጓሰ ብምሉእ ልቢ ብምፍቃር፡ ርእስኻ ንናይ ክርስቶስ ኣገልግሎት ምፍላይ፡ ንክህነት ወሳኒ ምዃኑ ይገልጽ። መጽሓፍ ቅዱስ ዘይፈልጥን ዘይተማህረን፡ ከምኡውን ናይ ክህነት ኃላፍነት ክብደቱ ዘይተረድአ ሰብ ክህነት ክቕበል ከም ዘይግባእ የተሓሳስብ።

 ስለዚ ነዚ ተሓታትነት እዚ ተረዲእና ንሽመትን ሥልጣንን ዘይምቅድዳምን፡ እንተ ተሼምና ድማ ተጊህካ ምዕያይን የድልየና። ተጊህካ እንተ ዓዪኻ፡ ከምቲ ተሓታትነትካ ክብርኻን ሽልማትካንውን ዓቢይ ምዃኑ ድማ ኣይትዘንግዕ።

4/ መንፈሳውያን ኣገልገልቲ ንእግዚአብሔር እምበር ንሰብ ከሐጕሱ ኪጽዕሩ የብሎምን።

 ቅዱስ ኣውግስጢን፦ በዓል ኃሙሽተ መክሊት ነቲ ኃሙሽተ ናይ ስምዒት ህዋሳቱ ንሰማያዊ መርዓዊ (ንክርስቶስ)  መሥዋዕቲ ገይሩ ዘቕረበ ሰብ ዘመልክት እዩ። ንሱ ብሥጋኡን ብነፍሱን ነቲ ሥራሕ ናይ ኣምላኽ ቅዱስ መንፈስ ዘገልግል ስለ ዝኾነ ምሉእ ብምሉእ  ናይቲ ሰማያዊ ጐይታ እዩ። 

 ብዙኃት ንድኅነት ኣባጊዖም ግዲ ዘይብሎም ኣገልገልቲ፡ ክብሮምን ስሞምን ከይትንከፍ ክብሉ፡ ንዅሉ ሰብ ንምሕጓስ ኪጓየዩ ትርኢ ኢኻ። እተን ኣባጊዕ እንታይ የድልየን ኢሎም ኣብ ክንዲ ዝጭነቑ፡ እንታይ እየን ዝደልያ፧ እንታይ እዩ ዘሐጕሰን፧ ዝብል ሕቶ ኺምልሱ ይደኽሙ። መንፈሳዊ ኣገልጋሊ ግና ንኣባጊዕ እንታይ ከም ዘድልየን ፈሊጡ ደኣ መንፈሳዊ ነገር ይህበን እምበር፡ ዘዝደለይኦ ዝህበን እንተ ኾይኑ ጥዑይ ጓሳ ኣይኮነን።

 ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ኣገልገልቲ፡ ንዅሉ ሰብ ብጥዑም መልሓስ እናጠበሩ፡ ንሳኽራም ንዘማዊ ንሰራቒ ንሓማዪ ከከም ጠባዮም እናኸዱ ዝውድሱ ቀተልቲ ኣባጊዕ እዮም። ከይጽልኡ ስለ ዝፈርሁ ተግሣጽ ትበሃል ኣይፈልጥዋን እዮም። በዚ ድማ ነቲ “ሕጂኸ ንሰብዶ ወይስ ንኣምላኽ እየ ባህ ዘብል ዘሎኹ፡ ወይስ ንሰብ ከሐጕስ ድየ ዝደሊ ዘሎኹ፡ ገና ንሰብ ከሐጕስ እንተ ዝብልሲ፡ ባርያ ክርስቶስ ኣይምዀንኩን ነይረ” ዝብል ናይ ሓዋርያ ቕዱስ ጳውሎስ ቃል ምሉእ መዓልቲ ከፍርስዎ ይውዕሉ /ገላ1፡10/።

ቅዱስ ዮሓንስ ኣፈወርቅ፦ “ናይ ሰባኽን ናይ ካህንን ቀንዲ ዕላምኦም ንእግዚአብሔር እምበር ንሰብ ምሕጓስ ኣይኮነን ይብል። 

Tuesday 28 March 2017

ትምህርተ ጾም ዘኦርቶዶክስ መበል 21 ኽፋል

 ስለዚ ነፍሰይ ኣብ ቤት እግዚአብሔር እተገልግሊ ግና ኸኣ ፍቕሪ እግዚአብሔርን ምስቶም እግዚአብሔር ዘገልግሉ ኣኅዋትን ኣቦታትንውን ብፍቕርን ሰላምን ዘይትነብሪ እንተ ኾንኪ ጠፊእኪ ምህላውኪ ፍለጢ። ምድብኪ ምስቶም ንእግዚአብሔር ዘይፈልጡ ናይ እግዚአብሔር ኣገልገልቲ ዝተባህሉ ናይ ሞት ምድብ ምዃኑ ድማ ኣይትዘንግዒ።

 መኣስ እዚ ጥራይ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ መዋእለ ስብከቱ ብተኣምራት ካብ ዜተንሥኦም ሠለስተ ሰባት ኣብነት ምስ እንወስድ “እቲ ቐዳማይ ካብ ዝመውት ኣብ መቓብር ኣርባዕተ መዓልቲ ዝገበረ ኣልኣዛር እዩ /ዮሓ 11/። ኣልኣዛር ናይቶም ካብ ቤተ እግዚአብሔር ወፂኦም ክምለሱ ይኽእሉ እዮም ኢልካ ኣብ ዘይትግምቶም ፍጹም ርኽሰትን ኃጢአትን ዝተደርበዩ እሞ ብኃይሊ ኣምላኽን ብምሕረቱን ግና ካብ ዝነበርዎ ዓዘቕቲ ወፂኦም ናብ ቤተ ክርስቲያን ዝምለሱ ሰባት ምሳሌ እዩ። እቲ ኻልኣይ ድማ ሞይቱ ኣብ ቃሬዛ ተፀይሩ ካብ ቤቱ ዚወፅእ ዝነበረ ወዲ እታ መበለት በዓልቲ ናይን እዩ /ሉቃ 7፤12/። እዚ ድማ ናይቶም ካብ ቤተ እግዚአብሔር ክወፅኡ እንከለዉ ቤተ ክርስቲያን እትበኽየሎም ክርስቲያን ምሳሌ እዩ። ብድኅዚ ጐይታ ካብ ሞቱ ምስ ኣተንሥኦ “ነዲኡ ሃባ” /ሉቃ 7፡15/ ኢሉ ምዝራቡ ድማ፡ ከምዚ ዓይነት ሰብ ብኃይሊ ኣምላኽ ከም ዚትንሥእ እዩ ዘረድእ። ነዲኡ ሃባ ማለት ድማ ነዲኡ ቤተ ክርስቲያን ማለት እዩ፡ እቲ ምንታይ ካብ ቤተ ክርስቲያን ወፃኢ ድኅነት ስለ ዘየለ።

 እታ ሣልሰይቲ ዝሞተት ግና ኣብ ውሽጢ ቤት ኣቡኣ ምስ ሞተት ጐይታና ኸይዱ ካብ ሞት ዜተንሥኣ ወለተ ኢያኢሮስ እያ። ንሳ ድማ ናይዞም ከምዚ ኸማይ ማለት ኣብ ውሽጢ ቤት ኣቦና ዝኾነ ቤተ እግዚአብሔር ነገልግል ኣለና እናበልና ብመንፈስ ግና ዝሞትና ሰባት ምሳሌ እያ። ነዚ ድማ እዩ ጐይታ “ደቂሳ እያ ዘላ እምበር ኣይሞተትን” ዝበላ /ሉቃ 8፤52/። ካብ ሞት ምስ ኣተንሥኣ “ዝብላዕ ሃብዋ” /ሉቃ 8፤52/ ምባሉ ድማ ከምዚ ዓይነት ሰብ መንፈሳዊ መግቢ ትምህረተ ወንጌልን ሥርዓተ ቤተ ክርስቲያንን እናተማህረ ቃለ እግዚአብሔር ክምገብ ከም ዘለዎ እዩ ዝገልጽ /ኣሞጽ 8፡11/። 

 ስለዚ ነፍሰይ ንስኺውን ተንሥኢ ተበራበሪ እቲ ብርሃን ዓለም ዝተሰመየ ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ “ሕጂ ካብ ድቃስ እትበራበርሉ ዘመን ከም ዝበጽሐ ነዛ እዋን ፍለጥዋ” ብምባል ዝመዓደኪ ቃልውን ዘክሪ። ነፍሰይ መኣስ እዚ ጥራይ፡ ወዮ ንከይተስተውዕልዮ ደኣ ገዛኢ እዛ ዓለም እዚኣ ዝተባህለ ዲያብሎስ ብፍቕሪ ገንዘብ ብፍቕሪ ሽመትን ውዳሴ ኸንቱ ካብ ሰባት ብምድላይን ካልእ ንእኡ ዝኣመሰለ ሥጋዊ ነገራት እናገበረ ዓይነ ልቦናኺ ሸፊንዎ እምበር፡ ብዛዕባኺ ደኣ መኣስ እዚ ጥራይ ኮይኑ ተዘሪቡ፡ የግዳስ ከምቲ “ንጠቢብሲ ሓንቲ ቓል እያ ትኣኽሎ” ዝተበህለ እዚ ፈሊጥክዮ ዘለኺ ኣብ ተግባር እንተውዒልክዮ እኹል ስለ ዝኾነ በዛ ናይ መወዳእታ ምሳሌ ገይረ ጽሑፈይ ክዛዝም እየ።

 እዛ ናይ መወዳእታ ምሳሌ ጐይታ ብዛዕባ እታ ዓሠርተ ድሪም ነይርዋ ሓንቲ ድሪም ዝጠፍኣታ ሰበይቲ ኢና ኽንርኢ። ድሪም ማለት ሳንቲም ወይ ገንዘብ ማለት እዩ። እዛ ድሪም እዚኣ ድማ ናይ ክርስቲያን ሰብነት ምሳሌ እያ። ምኽንያቱ ከምቲ ኣብ ሳንቲም ምስሊ ናይቲ ንጉሥ ዝረአ፡ ኣባና ኣብዞም ናይ ክርስቶስ ሳንቲም ዝተመሰልና ክርስቲያን ድማ ናይ ንጉሥና ምስሊ ክረአ ይግበኦ። ናይ ክርስቶስ ሥዕሊ ማለት ድማ ትሕትና ፍቕሪ ትዕግሥቲ ርኅራኄ ተኣዛዝነት ዝኣመሰሉ ፍረ መንፈስ ቅዱስ ክህልወና ይግበኦ ማለት እዩ /ገላ 5፡22/። ንሕና ከምዚ እንተ ጌርና ናይ ብሓቂ ንጉሥና ክርስቶስ ኣባና ተሣዒሉ ንኣሕዛብ ስለ ዝረኣዮም ንኣካይዳናን ንሕይወትናን ርእዮም ንኣምላኽና ኬመስግናዎ እዮም። ክርስቶስውን “ነቲ ሠናይ ኣካይዳኹም ርእዮም ነቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ ኣቦኹም ምእንቲ ከኽብርዎ ብርሃንኩም ኣብ ቅድሚ ሰብ ይብራህ” /ማቴ 5፡16/ ብምባል ምሂርና እዩ። 

 ናይዛ ሰበይቲ እታ ሓንቲ ድሪም ኣብ ማእከል ቤታ እያ ጠፊኣ /ሉቃ 15/። እዚ ማለት ድማ ኣብ ቤት እግዚአብሔር ኣለና እናበልና ናይ ዝጠፋእና ክርስቲያን ምሳሌ እያ። መብራህቲ ኣብሪሃ ቤት ኮስቲራ ረኸበታ ይብል።፡እዚ ድማ ኣብ ውሽጢ ገዝኣ ኮይና ግና ኣብ እንዳ ጉሓፍ እያ ተረኺባ /ሉቃ 15፡8/ እዚ ማለት ድማ ኣብ ቤት እግዚአብሔር ኮይና ኣብ ርስሓትን እንዳ ጉሓፍን ዝተመሰለ፡ ነዛ ናይ ክርስቶስ ሳንቲም ዝተመሰለት ነፍስና ብጽልኢ ብቒም ብበቐል ብዓሌትነት ብዓደይ ዓድኻ ብምፍልላይ ብፖለቲካ ብመናፍቕነትን ኣርሲሕናያ ማለት እዩ። ሳንቲም እንተ ረሲሓን እንተ መሪታን ድማ ምስሊ ናይቲ ንጉሥ ክርአ ኣይክእልን። በዚ መጠን ድማ ንንጉሥና ኣባና ከይረኣ ከልኪልናዮ ጥራይ ከይኣክል ብሰንኪ እኩይ ተግባራትና ሰባት ከም ዝጸርፍዎ ንገብር። እቲ “ብሰንክኹም ስመይ ኣብ ማእከል ኣሕዛብ ይጽረፍ ኣሎ” ሮሜ 2፡24 ዝብል ቃል ድማ ብኣና ይፍጸም።

  ስለዚ ነፍሰይ ካብ እንዳ ጉሓፍ እትወፅእሉ መገዲ ጽን ኢልኪ ስምዕኒ፡ እታ ሰበይቲ መብራህቲ ወሊዓ ምስ ደለየታ እያ ክትረኽባ ዝኸኣለት። መብራህቲ ዝተባህለ ድማ ከምቲ ቅዱስ ዳዊት “ቃልካ ንእግረይ መብራህቲ ንመገደይ ብርሃን እዩ” መዝ 119፡105 ዝበሎ መብራህቲ ቃል እግዚኣብሔር እዩ። ስለዚ ካብ ሕጂ ንኔው ብምሉእ ኃይለይ ኣብቲ ብትምህርቲ ሰንበትን ካልእ መንፈሳዊ ጉባኤታት ዝወሃብ ትምህርተ ሃይማኖትን ሥርዓተ ቤተ ክርስቲያንን ክሳተፍ፡  ከምኡውን ብቅዱሳን ኣበው ዝተጻሕፉ ናይ ቤተ ክርስቲያን መንፈሳውያን መጻሕፍቲ ኬንብብን ሕይወተይ ብመንፈሳዊ ቅኔን ጸሎትን ዝተሓነጸት ክትከውን መንፈሳዊ ልምምድ ክጅምር ወሲነ እየ እሞ ኣምላኽ ይሓግዘኒ። እወ ከምዚ ገይረ ነቲ ዓስቢ ዘይብሉ ብሥጋዊ ፍልጠትን ተመኩሮን ጥራይ ተመሪሐ ዝደኽሞ ዝነበርኩ ከንቱ ድኻምን ነታ “ንእዚአብሔር ዘይ ፈልጡ ናይ እግዚአብሔር ኣገልገልቲ” እትብል መጸውዕን ፈጺመ ክድምስሶም ኣብ ክንድኡ “ገብርኄር” ማለት ሕያዋይ ኣገልጋሊ ብዝብል ስም ክትክኦም ወሲነ እየሞ ወላዲተ ኣምላኽ ብጸሎትኪ ደግፍኒ። 

 ኣብ መወዳእታ እምበኣር ነፍሰይ ንኣይ ጥራይ ይጥዓመኒ ምባል ገዲፍኪ መማቐሊት ኩኒ እሞ እዚ መልእኽቲ እዚ ንኣኺ ጥራይ ዘይኮነ ንዅለን ከማኺ ዝኣመሰላ ነፍሳትውን ለግስለን፡ ንኺድ ንቕደሚት ንሰጉም ንመሃር ነንብብ እሞ ንዓምብብ: ተነሲሕና ውሽጣዊ ሰላም ክንውንን ሽዑ ብስምዒት ብዘይ ርድኢትን ምዝራብ ገዲፍና ትሑታት ህዱኣት ብፍልጠትን መንፈሳዊ መለክዕን እንዛረብን ንሕዝብናን ንቤተ ክርስቲያንናን ንኣምላኽናን ዘሐጕስን ዝጠቅምን ብዓቢይኡ ድማ ኣገልግሎትና ንነፍስና ሰማያዊ ዋጋ እንረኽበሉ ኣገልግሎት ክኸውን እዩ።

Monday 27 March 2017

ትምህርተ ጾም ዘኦርቶዶክስ መበል 20 ኽፋል


.....ቃል እግዚአብሔር ሕያውን መስለጥን ዘለዓለማውን ስለ ዝኾነ ግና፡ እዚ ቃል እዚ ሕጂ ኣብዚ ጊዜ እዚውን እንተ ኾነ ንዅልና ነቶም እግዚአብሔር መን ምዃኑ ከይፈለጥና ኣብ ቤቱ ነገልግል ዘለና ዝምህርን ዚግሥፅን ቃል እዩ። እሞኸ ነፍሰይ እግዚአብሔር መን ምዃኑ ፈሊጥክዮ ዲኺ እዚ ዅሉ ዓመታት ዘገልገልክዮ? ክርስቶስ መን ምዃኑ ተሓቲትኪስ ምመለስኪዶ? መንፈሳዊ ኣገልግሎት ማለት እንታይ ማለት ምዃኑስ ትፈልጢ ዲኺ? ንመን ተገልግሊ ኣለኺ? ስለ ምንታይ? ዓስብኺኸ ሰማያዊ ድዩ ዋላስ ምድራዊ? ወሪድኪ ነዚ ዅሉ ሕቶታት እሞ እንታይ ኢልኪ ኽትምልስዮ ኢኺ? ሕጂ እምበኣር ንስኺ “ሓንቲ ኻብቶም ንእግዚአብሔር ዘይፈልጡ ናይ እግዚአብሔር ኣገልገልቲ” ምዃንኪ በሪህልኪ ኣሎ።

 እወ ድኃን ዚኃለፈ ውሕጅ ይውሰዶ፡ ናይ ሕጂ ጥራይ ግበሪ። እቲ እተገልግልዮ ዘለኺ ኣምላኽ እቲ ንቑስልኺ ብቑስሉ ዝፈወሰ፡ ካብ ናይ ሰይጣን ባርነት ብሞቱ ናጻ ዜውፅኣክን ዜድኃነክን፡ ከም ሽሙ መድኃኒት ዝኾነ ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ። ስለዚ ንስኺ ኣካል ክርስቶስ ኢኺ። ኣብ ኣካላትና ድማ ሥራሕ ወይ ድማ ጥቕሚ ዘይብሉ ክፍሊ ኣካላት የልቦን። ከምቲ ኣብ ኣካላትና ኢድ እግሪ ዓይኒ እዝኒ ኣፍንጫ ነናቶም ሥራሕን ጥቕምን ዘለዎም፡ ንስኺ ድማ ኣብ ሰብነት ክርስቶስ ከምኡ ኢኺ። መንፈሳዊ ኣገልግሎት ዝበሃል ድማ ተነሲሕካ ንእግዚአብሔር ብነፍስን ብሥጋን እናተገዛእካ ብፍቕርን ብድሌትን ሰማያዊ ዓስቢ ከም ዘለዎ ኣሚንካ እተገልግሎ ደኣ እምበር፡ ብስምዒትን ብዘይ ርድኢትን፡ ንሥጋዊ ጥቕምን ረብሓን ክትብል፡ወይ ድማ ሰባት ንኽሕጐስልካን ንኸድንቑኻን ኢልካ እትደኽሞ ድኻምን ሃለኽለኽን ኣይኮነን።

 ስለዚ ሓደ ሰብ “ንባዕሉ መንፈሳዊ ኸይኮነ መንፈሳዊ ኣገልግሎት ኬገልግል ኣይክእልን እዩ”። ስለዚ ነፍሰይ ሕሰብሉ እሞ “ቤተ እግዚአብሔር እናገልገልኪስ ንባዕልኺ ጠፊእኪ! እሞ ኸ ደኣ ንባዕልኺ ዘይኮንክስ መኣስ ኢኺ ንጐይታ እተገልግሊ?” ነዚ ከማኺ ዓይነት ኣገልጋሊ ፖፕ ሺኖዳ ሣልሳይ “ምስቲ ጽቡቕ ዚሠርሕ ግና ከኣ ነፍሲ ዘይብሉ ማሽን” እዮም ዘመሳስልዎ። ማሽን ጽቡቕ ይሠርሕ ንመንግሥተ ሰማያት እትኣቱ ነፍሲ ግና የብሉን። ንስኺኸ ነፍሰይ ኣብ ቤቱ ንኽንደይ ዓመት ኣገልጊልኪ? ግና ኣይተነሳሕክን ኣይቆረብክን እዚ ብዘይ ምግባርኪ ድማ መንግሥተ ሰማያት ኣይትኣትውን ኢኺ። በዚ ድማ “ምስቲ ጽቡቕ ዚሠርሕ ግና ከኣ ነፍሲ ዘይብሉ ማሽን” ማዕረ ዄንኪ ማለት እዩ።

 ጐይታውን ኣብ ወንጌል “ሰብሲ ንዅሉ ረቢሑ ነፍሱ እንተዘየድኃነ እንታይ ይጠቅም?” ክብል ገሊጽዎ ኣሎ ሉቃ 9፡25። ከምቲ ይሁዳ ኣብ ማእከል ሓዋርያት ነታ ዝተዋህበቶ ኣገልግሎት ተኃዚ ገንዘብ ተጠቒሙ ካብኣ እና ሰረቐ ኃጢአት መኻዕበቲ ዝተጠቀመላ እሞ ብሥጋን ብነፍስን ከይተጠቀመ ተሓኒቑ ነፍሱ ብምጥፋእ ሕማቕ ታሪኽ ገዲፉ ሕማቕ ኣጠፋፍኣ ዝጠፍአ፡ ከምኡ ድማ ነፍሰይ ኣብዚ ተሸይምክዮ ዘለኺ ኣገልግሎት ንኣምላኽኪ ትሰርቅዮን ትዕምጽዮን ንሥርዓቱ ተፍርስን ከይትህልዊ ሕጂ ነቒሕኪ ሕግታቱን ሥርዓታቱን ተማሃሪ እሞ ክትሕልውዮ ተጋደሊ። 

 እቲ ኣብ ቤት ኣቡኡ ዘገልግል ዝነበረ ውሉድ ውን ኣብ ቤት ኣቡኡ እንከሎ እዩ ዝጠፍአ። እቲ ኃዉ ብጽሒቱ ኂዙ ካብ ገዛ ብምውፃእ ክጠፍእ እንከሎ፡ እቲ ምስ ኣቡኡ ዝተረፈ ድማ ኣብታ ናይ ቤተ ክርስቲያን ምሳሌ ዝኾነት ቤት ኣቡኡ እናገልገለ እንከሎ ጥፉእ እዩ ዝነበረ። ምኽንያቱ ኃዉ ካብቲ ዝጠፍኦ ምስ ተመልሰ ኣብ ክንዲ ዝሕጐስ ብኣንጻሩ “እነሆ አነ ክንድዚ ዓመት ተገዛእኩኻ፡፡ካብ ትእዛዝካውን ከቶ ኣይወፃኹን፡ ንኣይሲ ምስ ኣዕሩኽተይ ዝሕጐሰሉ መሓስእ እኳ ኣይሃብካንን፡ ነዚ ገንዘብካ ምስ ኣመናዝር ኮይኑ በሊዑ ዝወድአ ወድኻ ምስ መጸ ግና፡ ስብሕቲ ላም ሓረድካሉ” ብምባል ዝተዛረቦ ቃል ጥፉእ ከም ዝነበረ ዘረጋግጽ እዩ። ምኽንያቱ ከምቲ ጐይታና ዝመሃረና እታ ዝዓበየት ትእዛዝ “ንእግዚአብሔር ኣምላኽካ ብዅሉ ኃይልኻን ብዅሉ ልብኻን ብዅሉ ነፍስኻን ኣፍቅር፡ እታ ካልኣይቲ ንኣኣ ትመስላ ድማ ንብጻይካ ከም ነፍስኻ ኣፍቅር” ዝብላ እየን /ሉቃ 10፡27/። 

 እዚ ውሉድ እዚ ግና ንእግዚአብሔር ኣቡኡ ኬገልግል እንከሎ ብፍቕሪ ኣይኮነን ዘገልግሎ ነይሩ። ነዚ መረጋገጺኡ ድማ “ተገዛእኩኻ” ዝበሎ ቃል ንኣምላኽ ምግልጋል ከም መግዛእቲ ገይሩ ምቚጻሩ “ፍቕሪ እግዚአብሔር” ከም ዘይነበሮ መረጋገጺ እዩ። ዝጠፍአ ኃዉ ተመሊሱ ኣብ ክንዲ ዝሕጐስ ንምንታይ ላም ሓሪድኩምሉ ኢሉ ምኽሳሱን ገዛ ምእታው ምእባዩን ድማ “ፍቕሪ ኃዉ ፍቕሪ ብጻይ” ከም ዘይብሉ መረጋገጺ እዩ ሉቃ 15፡11-32።

 ሎሚ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ትገብርዮ ዘለኺ ተግባራትውን ምስዚ ታሪኽ እዚ ተመሳሳሊ እዩ። ጠፊኡ ዚነበረ ኃውኺ፡ ጠፊኣ ዝነበረት ኃፍትኺ ክመጹ እንከለዉ፡ ገጽኪ ኣብ ክንዲ ዝበርህ፡ ርስቱ ከም ዝተመጠንለ ሰብ ገጽኪ ኣሲርኪ ትርእይዮም፡ ንስኺ ኣብቲ ቤት ኣቦይ ትብልዮ ቤት ኣምላኽ ነዊኅ ተመላሊስኪ ልብኺ ግና ከይተመለሰን ፍረ ከይፈረኽን ኦም ናይ ክረምቲ ዄንኪ ኪትተርፊ እንከለኺ፡ እቶም ብናትኪ ኣረኣእያ ጥፉኣት ዝነበሩ ካብ ጓይላን ካብ ደርፍን ካብ ስርቅን ካብ ዝሙትን ኣምሊጦም፡ ኢራብ ንዓይኒ ማያት ከም እትናፍቕ ንእግዚአብሔር ብልቢ ናፊቖም ብምምጻእ ኣብ ውሽጢ ሓጺር ጊዜ ካብ ናትኪ ዝበዝኅ  መንፈሳዊ ፍረ ኪፈርዩ ምስ ረኣኺ፡ ዓይንኺ ደም መሊኡ፡ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ብዙኅ ጊዜ ስለ ዝተመላለስኪ ቤተ ኣምላኽ ዝያዳ እቶም ብድኅሬኺ ዝመጹ ንኣኺ ዝብጽሓኪ ኾይኑ ድማ እዩ ዝስምዓኪ።

 ነባራት ካህናት ነቶም ሓደሽቲ ዝመጹ ካህናት ክጸልእዎም ናይ ኣገልግሎት ቦታ ኪኸልእዎም፡ ነባራት መዘምራን ነቶም ሓደሽቲ ኬጨንቕዎም ኬሳድድዎም ምርኣይ ስለ ዝበዝኀ ነዚ ከም ንቡር ወሲድክዮዶ ትኾኒ? ኣይፋልክን ንዒ ተመለሲ እዚ ሕይወት ኣይህብን እዩ። ዝጠፍአ ስለ ዝተረኽበ መላእኽቲ ሰማይ ተሓጐሱ፡ ንስኺ ደኣ ናይ መን መንፈስ እዩ ኃዲርኪ ኃውኽን ኃፍትኽን ምስ ተመለሱ ምስ ተዓረዩ ምስ ዓንበቡ ምስ ፈረዩ ኣብ ልዕሊኦም ብቕንእን ብቚጥዐን ብጸለመን ትለዓሊ? ድኅረይ መጺኡ ከመይ ገይሩ ካባይ ንላዕሊ ይኸውን? ከመይ ገይራ ካባይ ንላዕሊ ትኸብር? እናበልኪውን ኣይትጨነቒ፡ ክብሪ ንዝግብኦ እዩ ዝወሃብ፡ እግዚአብሔር ከምዚ ገይሩ ኣብ ደቁ ጸጋ ስለ ዘፍሰሰ ብሕያውነቱን ብፍቕሩን ደኣ ኣመስግንዮ እምበር፡ በዚ ንምንታይ ድኅረይ መጺኦም ማዕረይን ልዕለይን ይኾኑ እናበልኪ ንፈጣሪኺ ኣይትውቀስዮ።

 “መንግሥተ ሰማያት ሕጊ ወንጌል ተስፋ ኢየሱስ ክርስቶስ ነታኽልቲ ወይኑ ሰብ ውዕለት ኪሰማማዕ ኣንጊሁ ዚወፀ በዓል ቤት እዩ ዝምሰል እሞ ቀዳሞት ዳኅሮት፡ ዳኅሮት ቀዳሞት ኪኾኑ እዮም” ዝብል ከ ኣየንበብክን ዲኺ?እቲ ጐይታ ነቶም ብነግህ ዚረኸቦም ብሣልሰይቲ ሰዓት ዝረኸቦም ብሳድሰይቲ ሰዓት ብታስዐይቲ ሰዓት ዝረኸቦም ምስቶም ኣብ መወዳእታ ማለት ኣብ መበል 11 ሰዓት ዝረኸቦም ንውዕለቶም ኪኸፍሎም ዚተሰማምዖ ዋጋ ሓደ ዲናር እዩ።

 እቶም ብነግህ ዚተጸውዑ ምስቶም ኣብ መበል 11 ሰዓት ዚተጸውዑ ማዕረ ኪቕበሉ ምስ ረኣዩ፦ “ነዞም ሓንቲ ሰዓት ዚሠርሑ ዳኅሮት፡ ምሳና ምስዞም ድኻም መዓልትን ሃሩር ዝፆርና ኣደላደልካዮም እናበሉ ኣብ ልዕሊ እቲ በዓል ቤት ኣዕዘምዘሙ” ከም ዝተባህለ ኣይተዕዘምዝሚ /ማቴ 20፡11-12/።

 “ንሱ ኸኣ ንሓደ ካብኣቶም ከምዚ ኢሉ መለሰሉ፡ ዓርከይ ኣይዓመጽኩኻን ብሓደ ዲናርዶ ኣይተሰማማዕኩኻን። ዚብጽሓካ ደኣ ኂዝካ ኺድ፡ ነዚ ዳኅራይ ድማ ክንዲ ናትካ ክህቦ ፍቓደይ እዩ። እወ ድማ ብገንዘበይ ዝደሌኹዎ ኪገብርዶ ኣይግብኣንን እዩ? ወይስ ኣነ ሕያዋይ ስለ ዝኾንኩዶ ዓይንኻ ቀናእ እዩ? ከምኡኸስ ጽውዓት ብዙኃት እዮም፡ ኅሩያት ግና ውሑዳት እዮም እሞ ዳኅሮት ቀዳሞት ቀዳሞትውን ዳኅሮት ኪኾኑ እዮም” ኢሉ ከም ዝመለሰሉ፡ ኣምላኽና ሃብታም ስለ ዝኾነ ንዅልና ዝኣክል ምሉእ ትዕድልትን ጸጋን ኣለዎ፡ ዘዝሃበና ደኣ ተቐቢልና ነመስግን እምበር ንሱ ብዝሃበና ውህብቶ ኣብ ቤቱ ኣይንደፋፋእ።

እወ ንሱ ነቶም ቀዳሞት ማለት ካብ ሕፃንነቶም ጀሚሮም ምሉእ ዕድሜኦም ዝኣመኑ ዋጋኦም ማለት ነቲ ብእምነትን ብጥምቀትን ዝርከብ ክብሪ ሃቦም፡ ኣብ ጊዜ እርግና ዝኣመኑ መጽኡ እሞ ብእምነትን ብጥምቀትን ዝርከብ ክብሪ ሃቦም። ብዕለተ ኣቤል ዝነበሩ ብዕለተ ስቕለት ምስ ዘለዉ፡ ብዕለተ ስቕለት ዘለዉ ኸኣ ብዕለተ ኣቤል ምስ ዝነበሩ ሓደ ይኾኑ። ብኣካለ ነፍስ ዘለዉ ምስቶም ብኣካለ ሥጋ ዘለዉ፡ ብኣካለ ሥጋ ዘለዉ ኸኣ ምስቶም ብኣካለ ነፍስ ዘለዉ ሓደ ይኾኑ።

“ብተጋድሎ ቀደሙና ኣኽሊል ብምቕባል ግና ኣይቀደሙናን፡ ኣኽሊል ክብሪ ንምቕባል ሓደ ጊዜ ኪኸውን ወሰነ” ከም ዝብል ቅዱስ ዮሓንስ ኣፈወርቅ /28 ክፍሊ ተግሣፅ ዕብ 11፡40/


ቅዱስ ጳውሎስ ድኅሪ ሰብዓን ክልተን ኣርድእትውን ደንጉዩ እዩ ናብ ቊጽሪ ቤተ ክርስቲያን ተጸንቢሩ። እንተ ኾነ ግና እቲ ኣቐዲሙ ዝተጸውዐ ማርቆስ ንእስክንድርያ ብምልእታ ኂዝዋ ናብ ጐይታ ክኸይድ ከሎ፡ እቲ ዶንጉዩ ዝተጸውዐ ጳውሎስ ግና ንዓለም ብምልእታ ኂዝዋ ናብ ሐቚፎ ጐይታ ከም እትቐርብ ጌርዋ። ማርቆስ ናይ እስክንድርያ ቤተ ክርስቲያን ክምሥርት ከሎ፡ ጳውሎስ ድማ ኣጽናፋዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ኵሉ ከም እትምሥረት ገይሩ። እቲ ድኂሩ ዝመጸ ብዙኅ ስለ ዝጎየየ፡ ንዓለም ብምልእታ ወንጌለ መንግሥት ከም ዝበጽሓ ገይሩ።

ቅዱስ ጳውሎስ ናይቶም ደንጕዮም ኣገልግሎት ዝጅምሩ ምሳሌ ኮይኑ ዝግለጽውን እዩ። ቀዲምካ ናይ ዝተጸዋዕካ(ኣገልግሎት ናይ ዝጀመርካ) ዘይኮነስ በቲ ዝተዋህበካ ጸጋ ኣምላኽ ጸኒዕካ ናይ ዘገልገልካ ከም ዝኾነ እዚ ድኂሩ ዝመጽአ፡ ግና ኸኣ ብዙኅ ዚሠርሐ ሓዋርያ ናይ ኵልና ኣብነት እዩ።

ሎሚ ውን ኣብ ቤተ ክርስቲያን ዝርአ ዓይነት ጽውዓ ኣምላኽ ከምዚ እዩ። ኣብ ዘመንና ምስቲ ዘመን ዝተቐየረ ነገር የለን። ከም ዑደት መሬት እቲ ዕዮ ናብ ዝተፈላለዩ ሰባት ምትኅልላፍ እንተ ዘይኮይኑ ሓድሽ ነገር የለን። ኣቐዲሞም ብንጉሁኡ ዝተጸውዑ (ኣገልግሎት ዝጀመሩ) ከም ጴጥሮስ ኣለዉ፣ ኣብ ጊዜ ቐትሪ ደንጕዮም ጽውዓ ኣምላኽ ዝበጽሖም (ኣገልግሎት ዝጀመሩ) ከም ጳውሎስውን ኣለዉ። እንተ ኾነ ግና፡ እቶም ደንጕዮም ዝተጸውዑ ካብቶም ብንግሆ ዝተጸውዑ ንላዕሊ ዓቢይ ነዚ ዘመን ዝልውጥ ኣገልግሎት ክዓዩ ከም ዝኽእሉ፡ ኣሜን ኢልና ክንቕበሎ እንተ ዘይክኢልና ነዞም ዳግማውያን ጳውሎስ ዝኾኑ ኣምላኽ ነዚ ወለዶ ክልውጡ መዲቡ ዘተንሥኦም ደገፍቲ ዘይኮነስ ዓንቀፍቲ ብምዃንና ኣምላኽ በዚ ወለዶን በቶም ቅኑዓት ኣገልገልትን ከይሓተና ከነስተውዕል ይግባእ።

ሎሚ ኣብ ቤተክርስቲያን ዝረአ መምዘኒ ጸጋኻ ዘይኮነስ፡ ኣንጊህካ ክትመጽእ ብምኽኣልካ ምዃኑ ዘኅዝን እዩ። ኣቐዲሙ ንዝመጸ ንጴጥሮስ ተቐቢልና ድኂሩ ንዝመጸ ንጳውሎስ እንተ ንዒቕና፡ መዓይይቲ እዮም እሞ ጴጥሮስ ብዘይ ጳውሎስ ኣይሠርሕን እዩ። ንጳውሎስ ክንቅበሎ ስለ ዘይከኣልና ብዙኃት ክድኅኑ፣ ካብ ግጉይ ትምህርቲ መሊቖም ክወፁ፣ ካብ ምንዝርናን ወልፍን ክላቀቑ ዝግብኦም ስነምግባሮም ዝተበላሸወ፡ ሃይማኖቶም ዘንቆልቆለ ምእመናንን ኣገልገልትን ክልወጡን ክጸንዑን ኣይክእሉን እዮም።

ኣብያተ ክርስቲያን ብበረኸት ኣምላኽ ከዕለቅልቓ፡ ገዳማትና ሕገ ጳጉሚስ ኣኽቢሮም ዝኸዱ መነኰሳት ከፍርያ፡ መምሃራንና ኣሰር ሓዋርያት ዝስዕቡ ንመናፍቕ ዝረትዑ፡ ንፍልስፍና ዝምልሱ፡ ንቤተክርስቲያን ካብ ተኹላ ዝከላኸሉ፡ ንመእመናን ዝጓስዩ፡ ንኣሕዛብ ዘእምኑ፡ ክርከቡ ዝኽእሉ በቲ ንጴጥሮስ ዝተቐበልናዮ መምዘኒ ድኂሩ ንዝመጽእ ዳግማዊ ጳውሎስውን ክንቅበሎ እንተ ኽኢልና እዩ።

መን ይኣምን እቲ ድኂሩ ዝመጽእ፡ ልዕሊ እቶም ኣብ ቤተክርስቲያን ዘመናት ዘቚጸሩ ንላዕሊ ብዙኅ ከም ዝዓየላ!!! አረ መን እዩ ኸ ዝርዳእ ቤተክርስቲያን ካብ ጴጥሮስ ንላዕሊ ጳውሎስ ከም ዝሠርሓላ!!!

ኣስተውዕሉ! ኣብ ቤተ ክርስቲያን ነዊኅ ዕድመ ዘቚጸረ ካብ ጳውሎስ ንላዕሊ ጴጥሮስ እኳ እንተ ነበረ፡ መልእኽቶም ከም ቤተ ክርስቲያን ጌርና ንውሰዶ እንተ ተባሂሉ፡ እቲ ድኂሩ ዝመጽአ ጳውሎስ ፲፬(14) ኣብያተ ክርስቲያን ክሓንጽ ከሎ፡ ኣቐዲሙ ዝመጸ ጴጥሮስ ግና ፪(2) ኣብያተ ክርስቲያን ሓኒጹ። ስለዚ ካብዞም ክልተ ናይ እምነት ኣዕኑድ ዝኾኑ ሓዋርያት ከም እንርድኦ፡ ኣብ ጽውዕኦም ዋላ እኳ ቅድምን ድኁርን ኮይኖም ናብ ኣገልግሎት እንተ መጽኡ፡ ብምትሕልላውን ብምክብባርን ነቲ መንፈስ ቅዱስ ኣብኣቶም  ዘቐመጠሎም ጸጋ ኣኽቢሮም፡ ክዓዩ ብምኽኣሎም እቲ ንቤተ ክርስቲያን ከበርክትዎ ዝግባእ ሠሪሖም እዮም፡ ኢልና ርግጸኛታት ኴንና ንዛረበሎም ኣሎና።


 ኣውጎስጢኖስ ንጐይታ ከምዚ ክብል ተዛሪብዎ ነይሩ፡ “ካብ ዘመናተይ ኣዝየ ደንጉየ እየ ፈሊጠካ። ንሱ ካብ ብዙኃት ሚሊዮናት ዝዓበየን ዝበለጸን ልዑል እዩ፣ ቅድሚኡ ዝነበረ  ኸ መን እዩ! ኣነ ግና ኣብ ጊዜ ሽምግልናይ እየ ኣፍቂረካ።” ኢሉ ዋላ እኳ እንተ ተዛረበ ብዙኅ ሥራሕ ሠሪሑ ኃሊፉ እዩ።  

Friday 24 March 2017

ትምህርተ ጾም ዘኦርቶዶክስ መበል 19 ኽፋል

ገብርኄር

ስያሜኡ ናይ ቅዱስ ያሬድ ኮይኑ፡ ኣብዚ ዕለት እዚ ብዛዕባ ሕያዎት ኣገልገልትን፡ ንኣገልገልቲ ዘገልግልሉ ጸጋ ዝህብ ወሃቢ ጸጋ ንኣገልገልቱ “ገብርኄር” እናበለ ዋጋ ዝህብ ኣምላኽ ከም ዝኾነን እናተዘከረ ይምለኽ።



ናይ ዕለቱ ናይ ቅዱስ ያሬድ መዝሙር ኣርእስቲ

መኑ ውእቱ ገብርኄር
ሕያዋይ ኣገልጋሊ መን እዩ፧

ኣብ ጊዜ ቕዳሴ ዚንበቡ ክፍልታት ናይ መጽሓፍ ቅዱስ

2ይ ጢሞ 2፡1-16  ዲያቆን (ገባሬ ሠናይ)
1ይ ጴጥ 5፡1-12 ዲያቆን (ንፍቅ)
ግ.ሓ 21፡6-9 ካህን ተራዳኢ

ምስባክ

ከመ እግበር ፈቃድከ መከርኩ አምላኪየ
ወሕግከኒ በማእከለ ከርስየ
ዜኖኩ ጽድቅከ በማኅበር ዓቢይ

ኦ ኣምላኸይ ፍቓድካ ንምግባር ፈተኹ
ሕግኻውን ኣብ ውሽጢ ልበይ እዩ
ኣብቲ ዓቢይ ጉባኤ ጽድቅኻ ተዛረብኩ (ነገርኩ) /መዝ 40፡8/።

ትርጕም፦ “ኦ ኣምላኸይ ፍቓድካ (ሕግኻ ወንጌልካ) ኪዛረብ ፈተኹ። ሕግኻ ኣብ ልቦናይ ተጻሒፉ ኪነብር እዩ፡ ሕያውነትካ ኸኣ ኣብ ጉባኤ ብዙኅ ሕዝቢ ነገርኩ” ማለት እዩ።
ወንጌል ማቴዎስ 25፡14-31 ካህን 
ቅዳሴ፦ ባስልዮስ

ስብከት ምስላ መክሊት

/14/ መንግሥተ ሰማያት ኢየሱስ ክርስቶስ ከምቲ ኪገይሽ ዝደለየ ሰብ እሞ ንኣገልገልቱ ጸዊዑ ገንዘቡ ዝሃቦም እዩ፡ ስለዚ ንቕሑ። /15/ ቀዳማይ ኃሙሽተ መክሊት ዝሃቦ ኣሎ፡ ኃሙሽተ መክሊት ዝሃቦ ሰብ ረብሓ ኣለዎ። ክልተ መክሊት ዝሃቦ ኣሎ፡ ክልተ መክሊት ዝሃቦ ሰብ ረብሓ ኣለዎ። ሓደ መክሊት ዝሃቦ ኣሎ። /16 ንነፍሲ ወከፎም ከከም ዓቕሞም ሂቡዎም ብኡ ብኡ ገሸ፡ እቲ ኃሙሽተ መክሊት ዝወሰደ፡ ብኡብኡ ኸይዱ ብእኡ ነገደሉ፡ ኃሙሽተ ኻልእ መክሊት ድማ ረብሐ።

/17-18/ ከምኡ ድማ እቲ በዓል ክልተ ኸኣ ከምኡ ኽልተ ኻልእ ረብሐ። እቲ ሓንቲ መክሊት ዝተቐበለ ግና ከይዱ ምድሪ ዅዒቱ ወርቂ ጐይታኡ ኃብኣ። /19/ ድኅሪ ብዙኅ ዘመን ከኣ ጐይታ እቶም ገላዉ መጺኡ፡ ምሳታቶምውን ኪጸባጸብ ጀመረ። /20/ እቲ ኃሙሽተ መክሊት ዝተቐበለ መጺኡ ጐይታይ፡ ኃሙሽተ መክሊት ሂብካኒ ኔርካ፡ እንሆ ድማ ካልእ ኃሙሽተ መክሊት ረባሕኩ፡ እናበለ ካልእ ኃሙሽተ መክሊት ኣምጽአ። 

/21/  ጐይታኡ ድማ ጽቡቕ ኣታ ሕያዋይን እሙንን ኣገልጋሊ፡ ብሒደት ተእሚንካ ኢኻ እሞ፡ ኣብ ልዕሊ ብዙኅ ክሸመካ እየ፡ ናብ ሓጐስ ጐይታኻ እቶ፡ በሎ። /22/ እቲ ኽልተ መክሊት ዝተቐበለ ድማ ቀሪቡ፡ ጐይታይ፡ ክልተ መክሊት ሂብካኒ ኔርካ እንሆ ኸኣ ክልተ ኻልእ መክሊት ረባሕኩ፡ በለ። /23/ ጐይታኡ ኸኣ፡ ጽቡቕ ኣታ ሕያዋይን እሙንን ኣገልጋሊ፡ ብሒደት ተእሚንካ ኢኻ እሞ፡ ኣብ ልዕሊ ብዙኅ ክሸመካ እየ፡ ናብ ሓጐስ ጐይታኻ እቶ፡ በሎ። 

/24/ እቲ ሓደ መክሊት ዝተቐበለ ድማ ቀሪቡ፡ ጐይታይ፡ ዘይዘራእካዮ እትዓጽድ፡ ዘይበተንካዮውን እትእክብ ጨካን ሰብኣይ ምዃንካ እፈልጥ እየ። /25/ ስለዚ ፈሪሀ ኸድኩ፡ ነቲ መክሊትካ ኣብ ምድሪ ኃባእክዎ፡ እንሆ ገንዘብካ፡ በሎ። /26/ እቲ ጐይታኡ ግና መሊሱ በሎ፡ ኣታ ኽፉእ ሃካይ ኣገልጋሊ፡ ዘይዘራእክዎ ኸም ዝዓጽድ፡ ዘይበተንክዎ ኸኣ ከም ዝእክብ እምበኣር ትፈልጠኒዶ፧ /27/ ስለዚ ነቲ ገንዘበይ ክትመልስ ምተገብኣካ ነይሩ፡ ኣነ ኸኣ መጺኤ ንዝረብሑሉ ሰባት ምሃብክዎም ነይረ። 

/28/ ነቶም ኣብኡ ደው ኢሎም ዚነበሩ ኸኣ እምበኣርሲ ነቲ መክሊት ካብኡ ኣግዲፍኩም፡ ነቲ ዓሠርተ መክሊት ዘለዎ ሃብዎ በሎም። /29/ ምኽንያቱ ንዘለዎ ዘበለ ዅሉ ይህቡዎ ይውስኹዎውን። ነቲ ዘይብሉ ግና እታ ዘላቶ እኳ የግድፍዎ ደኣ። /30/ ነዚ ሃካይ ጊልያ ግና ኣብ ናይ ወፃኢ ጸልማት ደርብይዎ። ኣብኡ ብኽያትን ምሕርቃም ኣስናንን ኪኸውን እዩ። 

ካልኣይ፦ በዓል ኃሙሽተ መክሊት ፍጹም ትምህርቲ ተማሂሩ ዝመሃረ እዩ። በዓል ክልተ መክሊት ምጡን ትምህርቲ ተማሂሩ ዝመሃረ እዩ። ንኣብነት ጴጥሮስ ንቀለሜንጦስ፡ ጳውሎስ ንጢሜቲዎስ ምሂሮም ከም ዘፍረዩ። በዓል ሓደ መክሊት ድማ፡ ፍጹም ትምህርቲ ተማሂሩ ዘይመሃረ እዩ። እቲ ፍጹም ትምህርቲ ዝተማህረ ምሂሩ መኺሩ ንእኡ ዝመስል ወደ መዝሙር ኣፍረየ። ጐይታ ድማ ጽቡቕ ኣታ እሙንን ሕያዋይን ኣገልጋሊ፡ ብውሑድ ተኣሚንካ ኢኻ እሞ፡ ኣብ ልዕሊ ብዙኅ ክሸመካ እየ። ናብ መንግሥተ ሰማያት እቶ በሎ። ዝተረፈ ንባብ ትርጕሙ ኣይልወጥን እዩ።

 እቲ ፍጹም ትምህርቲ ተማሂሩ ዘይመሃረ፡ ጐይታይ! መምርሒ ሕጊ ከይሠራዕካ ብሥነ ልቦና ፈሊጥኩም፡ መምህር ከይመደብካ ብሥነ ፍጥረት ተመራሚርኩም ሥርሑ እትብል ጨካን ምዃንካ እፈልጥ እየ። ዓላውያን ነገሥታት ከየሳቕዩኒ፡ መናፍቓን ተኸራኺሮም ከይረትዑኒ ስለ ዝፈራህኩ፡ ብዝተመሃርኩዎ ትምህርቲ ኣይመሃርኩን፡ ብዝተዋህበኒ ኃላፍነት ኣይሠራሕኩን ማለት እዩ።

መግለጺ፦ ሉቃስ፡ “ጠብለልኩዋ ውስተ ሰበንየ” ኣብ ቊራጽ ዓለባ ቋጺረያ ማለት ዝተመሃርኩዎ ትምህርቲ ኣብ ኣእምሮይ ዓቚረ ሓለኹዎ እነሆ ሽመትካ በሎ /ሉቃ 19፡21/። ጐይታ ግና መሊሱ በሎ መምርሒ ሕጊ ከይሠራዕኩ፡ ብሥነ ኣእምሮ ፈሊጥኩም፡ መምህር ከይመደብኩ ብሥነ ፍጥረት ተመራሚርኩም ሥርሑ ዝብል ጨካን ምዃነይ ትፈልጠኒዶ፧ ኃላፍነትካ ከተረክብ ምተገብኣካ ነይሩ፡ ኣነ ኸኣ ንዘገልግል ምሃብክዎ።  ንመላእኽቲ ከኣ ናይ መምህርነት መክሊቱ ወሲድኩም፡ ነቲ በዓል ዓሠርተ መክሊት ወስኽሉ በሎም። ነዚ ሃካይ መምህር ግና ኣውፅእዎ ማለት መዓርግ መምህርና ተሪፉዎ ከም ሕዝባዊ ናብ መንግሥተ ሰማያት ምእታው እዩ።

ትርጕም መክሊት

1/ በዓል ኃሙሽተ መክሊት ሙሴ ኃሙሽተ ብሔረ ኦሪት ስለ ዝጸሓፈ እዩ። በዓል ክልተ መክሊት ጴጥሮስ እዩ፡ ክልተ መልእኽቲ ስለ ዝጸሓፈ፡ ከምኡውን ብሉይ ኪዳንን ሓድሽ ኪዳንን ስለ ዝመሃረ እዩ /1ይ ጴጥ 1፡10-12 2ይ ጴጥ 2፡19-21/። በዓል ሓደ መክሊት ድማ ይሁዳ እዩ።

2/ በዓል ኃሙሽተ መክሊት ሊቀ ጳጳሳት፡ አንብሮ እድ ኣብ ልዕሊ ጳጳሳት፡ ምሻም ቀሲስን ዲያቆንን፡ ምጥማቕን ምቚራብን። በዓል ክልተ መክሊት ቀሲስ (ካህን) ምጥማቕን ምቚራብን። በዓል ሓደ መክሊት ዲያቆን ተልእኮ እዩ።

3/ በዓል ኃሙሽተ መክሊት፡ ጥምቀት፡ ተአምኖ ኃጣውእ፡ (ኃጢአት) ከዊነ ሰማዕት፡ ምንኵስና፡ ብሕትውና። በዓል ክልተ መክሊት ጥምቀት ተአምኖ ኃጣውእ (ኃጢአት)። በዓል ሓደ መክሊት ጥምቀት።


(እምበኣርሲ ኣኅዋተይ ሰብነትኩም ሕያውን ንኣምላኽ ባህ ዘብልን መሥዋዕቲ ጌርኩም ከተቕርብዎ ብምሕረት ኣምላኽ እልምነኩም ኣለኹ። እዚ ማለት እቲ መንፈሳዊ ኣገልግሎትኩም እዩ) ሮሜ 12፡1

 በዚ ቃል ናይ ሓዋርያ ቕዱስ ጳውሎስ ተመሪሕና ቊሩብ ብዛዕባ መንፈሳዊ ኣገልግሎትን መንፈሳዊ ኣገልጋልን ንመሃሃር። ነዚ ትምህርቲ እዚ ኃይሊ ዘለዎ ንኽኸውንን ኣብ ሕይወትና መቐይሮ ከም ዘምጽእ ንምግባርን ድማ ቃላትን ትምህርትን ናይቶም ቀዳሞት በዚ መንፈሳዊ ኣገልግሎት ዝበሰሉን ብኣገልግሎቶም ብዙኃት ነፍሳት ናብ ድኅነት ዝማረኹን ኣቦታት ኪንጥቀም ኢና። ብፍላይ ድማ ብዛዕባ መንፈሳዊ ኣገልጋልን መንፈሳዊ ኣገልግሎትን ብስፍሕ ዝበለ መገዲ ናይ ዝጸሓፉ  ናይ ግብጺ ፓትርያርክ ዚነበሩ ፓፕ ሺኖዳ ሣልሳይ ካብ ዝመሃርዎን ዝጸሓፉዎን መጽሓፍ ተመርኲስና ንነፍስና ኺንምግባ ኢና።

1/ መንፈሳዊ ንምዃን መጀመርታ ንስኻ መንፈሳዊ ኵን።

 ፖፕ ሺኖዳ ሣልሳይ “መንፈሳዊ ኣገልግሎት ንምግልጋል እንተደሊኻ መጀመርታ ንስኻ መንፈሳዊ ሰብ ኵን” ብምባል ይመኽሩና። ጐይታና ንሰማርያን ንዓለም ምሉእን ወንጌል ቅድሚ ምስባኽና ንኢዮርሳሌም ቅድም ክንሰብኽ ዝኣዘዘና፡ መምህራን ቅድሚ ንኻልእ ኢሎም ምድላዎም ንነብሶም ከዳለዉን ክምህሩን ከም ዘለዎም ንምርዳእ እዩ። ኢዮርሳሌም ኣብ ውሽጥና ናይ ዘላ ናይ ልብና ከተማ እያ። ስለዚ ከምዚ እንተ ደኣ ጌርካ ካብቲ “ንስኻ ንዓያሱ መለበሚ፡ ንቘልዑ መምህር፡ ኣብ ሕጊውን ምስሊ ፍልጠትን ሓቅን ዘሎካ ኢኻ። እምብኣርሲ ኣታ ንኻልእ እትምህር፡ ንርእስኻስ ኣይትምህራን ዲኻ፧ ኣታ፡ ኣይትስረቑ፡ ኢልካ እትሰብኽ። ባዕልኻዶ ትሰርቕ፧ ንስኻ፡ ኣይትዘምዉ፡ እትብል፡ ባዕልኻዶ ትዝሙ፧ ንስኻ ጣኦት እትፍንፍን፡ ባዕልኻዶ ቤተ መቕደስ ትሰርቕ፧” ካብ ዝብል ወቐሳ ኪትድኅን ኢኻ /ሮሜ 2፡20-22/።

 ሓደ መንፈሳዊ ጻሓፊ “ቤተ እግዚአብሔር እናአገልገልካስ ናይ ርእስኻ ሕይወት ኣጥፊእኻ፡ እሞኸ ንርእስኻ ዘይኮንካ ደኣ መኣስ ኢኻ ንጐይታ እተገልግል?” ፖፕ ሺኖዳ ሣልሳይውን ነዚ ኸምዚ ዓይነት ኣገልጋሊ “ጽቡቕ ዝሠርሕ ግና ከኣ ነፍሲ ዘይብሉ ማሽን” ብምባል ይገልጽዎ። እዚ ማለት ማሽን ኪቖርጽ ከጽሪ ከልሕም ከሎ ጽቡቕ እዩ ዝሠርሕ፡ እንተ ኾነ ግና ማሽን ከም ናይ ወዲ ሰብ ነፍሲ ስለ ዘይብሉ መንግሥተ ሰማያት ኪኣቱ ኣይክእልን እዩ። እቲ ናይ ካልኦት ክፍኣት ብትምህርቱ ዝቖርጽ፡ ርስሓቶም (ኃጢአቶም) ብትምህርቱ ዘጽሪ፡ ዚተሰብሩ ዝጽግን ነፍሱ ግና ዘይጸገነ ኣገልጋሊ ድማ ኸምኡ እዩ።

 ነዚ ብዝምልከት ብዛዕባ እቶም ኣብ ቤት መቕደስ እግዚአብሔር እናገልገለጉ ርእሶም ግና ዝጠፍኡ ካህናት ኣፍኒንን ፊንሃስን ንመልከት። መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባኦም ኪዛረብ እንከሎ “ደቂ ኤሊ ግና ደቂ ብልያል ነበሩ፡ ንእግዚአብሔር ኣይፈለጥዎን”  ይብል /1ይ ሳሙ 2፡12/። እዚ ቃል እዚ ኣዝዩ ዘስደምም ቃል እዩ። ኣስተውዕሉሉ እሞ! “ንእግዚአብሔር ዘይፈልጡ ናይ እግዚአብሔር ኣገልገልቲ” ማለት እኮ እዩ። 

 መስክሪ እስኪ ነፍሰይ ነዚ ቃል እዚ ምስ ሰማዕኪ እንታይ ተሰሚዕኪ? እዚ ቃል እዚ ነቶም ኣብ ቤት መቕደስ ነገልግል ኣለና እናበሉ ግና ኸኣ ንእግዚአብሔር ዘይፈልጥዎ ዝነበሩ ኣፍኒንን ፊንሃስን ዝተባህሉ ካህናት ዝተነግረ ቃል እዩ። እዞም ካህናት እዚኣቶም ንእግዚኣብሔር ዝመጽእ መሥዋዕቲ ባዕሎም እናበልዑ ምስተን ናብ ቤተ እግዚአብሔር ዝመላለሳ ደናግል ዝሙት እናፈጸሙን ንእግዚአብሔር የገልግልዎ ስለ ዝነበሩ እዩ መጽሓፍ ቅዱስ “ንእግዚአብሔር ዘይፈልጡ ናይ እግዚአብሔር ኣገልገልቲ” እናበለ ዝጽውዖም። 

 ነዚ እግዚአብሔር ከይፈለጡ ብድፍረት ዜገልግልዎ ዝነበሩ ሰይጣናዊ ተግባራቶም እግዚአብሔር ክዕገሦም ስለ ዘይ ከኣለ ድማ፡ ብፊልስጤማውያን ኲናት ከፊቱ ብዙኃት እስራኤላዉያንን ክልቲኦም ካህናት ኣፍኒንን ፊንሃስን ኣብቲ ውግእ ከም ዝቕተሉ ገበረ፡ ብሰንኮም ታቦት እግዚኣብሔር፡ በቶም ኣምላኽ ዘይ ፈልጡ ፍሊስጤማውያን ተማረኸት፡ ኣቡኦም ሊቀ ካህናት ዝነበረ ኤሊ ነዚ ምስ ሰምዐ ብስምባደ ካብ ዝነበሮ ወንበር ወዲቑ ሞተ፡ ሰበይቲ ካህን ፊንሃስውን እና ሓረሰት ነዚ ሕማቕ ወረ ብምስማዓ ነቲ ዝወለደቶ ሕፃን “ኤካቦድ” ኢላ ስም ምስ ኣውፅኣትሉ ብኡ ንብኡ ዓረፈት። ኤካቦድ ማለት ድማ “ክብሪ ካብ ሕዝቢ እስራኤል ረሓቐ” ማለት እዩ /1ይ ሳሙ 4፡19-22/።

ስብከት ብድምፂ


Monday 20 March 2017

ትምህርተ ጾም ዘኦርቶዶክስ 18 ኽፋል


ካልኣይ ምጽኣት ክርስቶስን ምልክቱን

ማር 13፡24-27 ሉቃ 21፡25-28

/29 ድኅሪ ናይተን መዓልታት እቲኣተን መከራ ኸኣ ፀሓይ ክትጽልምት እያ፡ ወርኂውን ብርሃና ኣይክትህብን እያ፡ ማለት ክትኃልፍ እያ፡ ከዋኽብቲውን ካብ ሰማይ ኪወድቁ እዮም ማለት ኪኃልፉ እዮም፡ ኃይሊ ሰማያት ድማ ኪናወጽ እዩ ኪኃልፍ እዩ። 

/30/ ሽዑ ኸኣ ናይ ወልደ እጓለ እመሕያው ክርስቶስ ምልክቱ ኣሠረ ርግዘቱ፡ ኣሠረ ቅንዋቱ፡ ኣብ ሰማይ ኪርአ እዩ።

ታሪኽ፦ ንኣባ ጳጕሚስ ከም ዝተራእዮ፡ ኣባ ጳጕሚስ ኪሰግድ እንከሎ፡ ርሃጹ ወሪዱ ንመሬት ጭቃ ገበሮ ብኡ ብኡ ጐይታ ተገልጸሉ እሞ፡ ጐይታይ ንኣኻ ክረክብ ኢለ እየ ዝደክም ዘለኹ በሎ። ጐይታ ድማ ኣነውን እምበር ንኣኻ ኢለ እየ ኢሉ፡ ብዕለተ ዓርቢ ከም ዝተሰቕለ ኮይኑ ተራእዮ።

እነሆ ኵሎም ኣብ ዓለም ዘለዉ ወገናት ክርስቶስ ብኃይልን ብዓቢይ ክብርን ማለት፡ “ቅዱስ እግዚአብሔር ዘያነሥኦሙ ለሙታን” ተባሂሉ ብመላእኽቲ እናተመስገነ፡ ብደመና ሰማይ ኪመጽእ ምስ ረኣይዎ ኪበኽዩ እዮም።

መግለጺ፦ ደመና ሰማይ ዝበሎ ባህርያዊ ክብሩን ግርማኡን እዩ። ክበኽዩ እዮም ማለቱ ኣሠረ ርግዘቱ ኣሠረ ቅንዋቱ ስለ ዝረኣዮም እዩ /ራእ 1፡7/። አዘክሮተ ፍቅር ለጻድቃን አዘክሮተ በቀል ለኃጥአን እዩ።

/31/ ንሱ ብርሃነ መለኮቱ ገሊጹ ኪመጽእ ኸሎ ንመላእኽቱ ብብርቱዕ ድምፂ መለኸት ኪልእኮም፡ ንሳቶም ድማ ነቶም ኅሩያቱ ካብ ሓደ ወሰን ሰማይ ክሳዕ እቲ ወሰን ሰማይ ካብ ኣርባዕቲኡ መኣዝን ኪእክብዎም እዮም። /32/ ምሳሌኡ ካብ ኦም በለስ ተማሃሩ። ጨናፍራ ምስ ለምለመ፡ ቈጽላውን ምስ ጠጥዐ፡ ቀውዒ ከም ዝቐረበ ትፈልጡ ኢኹም። 

መግለጺ፦ ኦም በለስ ናይ ቤተ ኣይሁድ ምሳሌ እያ፡ ዘመነ ጥጦስ ብቘጽሊ፡ ዘመነ ሓሳዌ መሲሕ ብዕምባባ፡ ምጽኣተ ክርስቶስ ብፍረ መሲሉ ተዛረበ።

/33/ ከምኡ ድማ ንስኻትኩም ነዚ ዅሉ ምስ ርኤኹም፡ ናብ ኣፍ ደገ ከም ዝቐረበ ፍለጡ። 

መግለጺ፦ ኣብ ኣፍ ደገ ዝበጽሐ ሰብ ቀልጢፉ ከም ዝኣቱ፡ ምጽኣተ ክርስቶስ ከኣ ቀልጢፉ ከም ዝፍጸም ፍለጡ።

/34/ እዚ ነገራት እዚ ዅሉ ኽሳዕ ዚፍጸም፡ እዚ ወለዶ እዚ (ቤት ኣይሁድ) ከም ዘይኃልፍ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ። /35/ ቀዳማይ ሰማይን ምድርን ኪኃልፍ እዩ፡ ቃለይ ግና ኣይኪኃልፍን እዩ። 

ካልኣይ፦ ኣነ ኅለፍ ዝበልክዎ ኪኃልፍ እዩ፡ ኣነ ኅለፍ ዘይበልኩዎ ግና ኣይኪኃልፍን እዩ /ዕብ 12፡26/።

ሣልሳይ፦ ሕገይ ዘይሕሉ ኪኃልፍ እዩ። ሕገይ ዘይሕሉ ግና ኣይኪኃልፍን እዩ /ዮሓ 2፡17/።

ንምጽኣት ጐይታ ሰዓታን ዕለታን ዝፈልጣ የልቦን።

ማር 13፡32-37 ሉቃ 17፡20-30 34-36

/36/ ነታ መዓልቲ እቲኣን ነታ ሰዓት እቲኣን ግና ብዘይካ ኣብ በይኑ፡ መላእኽቲ ሰማይ ኮኑ፡  ወዲ ሰብ ኮነ ሓደ እኳ ዚፈልጣ የልቦን።

መግለጺ፦
1/ ዘመኑ ዘመነ ዮሓንስ፡ ወርኁ መጋቢት፡ ዕለቱ እኁድ ሰንበት፡ ሰዓቱ ፍርቂ ለይቲ ከም ዝኾነ ፍሉጥዶ ኣይኮነን፧ እንተ በልና ብዙኅ ዘመነ ዮሓንስ፡ ብዙኅ ወርኂ መጋቢት፡ ብዙኅ ዕለተ እኁድ (ሰንበት) ስለ ዘሎ ተፈልዩ ኪፍለጥ ስለ ዘይከኣል እዩ።

2/ ብዘይካ ኣብ በይኑ ወልድ ኣይፈልጣን እዩ በለ። ነቲ ኅቡእ ዘይፈልጥ ዝነበረ ባህርይ ሰብነቱ ምኽንያት ክህብ ኢሉ እዩ እምበር ኅቡእ ዘይፈልጥ ኮይኑ ኣይኮነን ከም ዝብል ቅዱስ ቄርሎስ /ሃይ.አበው 75፡79፡32/። ነታ ዝመጸላ ሰዓትን ዕለትን ኣይፈልጣን እዩ ማለት ኣይኮነን፡ ከመይ “ብዘሎ መዝገብ ጥበብን ፍልጠትን ኣብ ክርስቶስ እዩ ተሠዊሩ ዘሎ” እዩ ዝብል ቆላ 2፡3።

ኢየሱስ ክርስቶስ ኵሉ ዚፈልጥ ኣምላኽ እዩ።

 ሓደ ሓደ ንመጽሓፍ ቅዱስ ብምልኣት ዘይኣምኑ ሰባት፡ ንፈጣሪኦም ናብ ፍጡር ስለ ዝቐየርዎ ኣምላኽነት ናይ ኢየሱስ ክርስቶስ ኣይቅበሉን እዮም። ነዚ ነቢያት “ኣምላኽ ብዕልልታ እግዚአብሔር ብደሃይ መለኸት ደየበ” ብምባል እቲ ድኅነትና ኣብ መስቀል ፈጺሙ ናብ ሰማይ ዝዓረገ ክርስቶስ ኣምላኽ ምዃኑ እግዚአብሔር ምዃኑ ብትንቢቶም ዝመስከርዎ ቃል ዘንጊዖም /መዝ 47፡5 ግ.ሓ 1፡5-15/ ነቲ ነቢይ ኢሳይያስ “ድንግል ኪትጠንስ እያ፡ ወዲውን ኪትወልድ እያ፡ ስሙ ድማ ኣማኑኤል ኪትብሎ እያ” /ኢሳ 7፡14/ ዝበሎን ማቴዎስ ድማ “ኣማኑኤል ማለት ኣምላኽ ምሳና ማለት እዩ /ማቴ 1፡23/” ብምባል ኣምላኽነት ናይ ክርስቶስ ገሊጹ ዚተርጎሞን፡ ደጊሙውን ኢሳይያስ “ሕፃን ተወሊዱልና ወዲ ተዋሂቡና እዩ እሞ፡ እቲ ግዝኣት ኣንኵቡ እዩ፡ ስሙ ድማ ድንቂ መካር ኃይል ኣምላኽ ኣቦ ዘለዓለማዊ መስፍን ሰላም ኪስመ እዩ /ኢሳ 9፡6/” ብምባል ኣምላኽነቱ ዘነገረሉን ቃል ብምርሳዕ፡ ንፈጠሪኦም ናብ ፍጡር ኪልውጥዎ ፈተኑ። 

  ባዕሉ ክርስቶስ “ኣነን ኣቦን ሓደ ኢና” /ዮሓ 10፡30/ “ንኣይ ዝረኣየ ነቦይ ረኣየ..” /ዮሓ 14፡9-12/ ኣብርሃም ከይተወልደ ኣነ ነይረ” /ዮሓ 8፡58/ “ኣልፋን ኦሜጋን ኣነ እየ፡ ቀዳማይን ዳኅራይን ኣነ እየ /ኢሳ 48፡12 ራእ 22፡12/” ብምባል ዝመሃሮ ትምህርቲውን እዝኒ ኣይሃቡዎን። ኣሠር መምህሮም ዚሰዓቡ ሓዋርያትውን “ብመጀመርታ ቓል ነበረ ቃል ኣብ እግዚአብሔር ነበረ…ቃል ሥጋ ኮነ” ብምባል ደጊሙውን ዮሓንስ “ንሱ እቲ ናይ ብሓቂ ኣምላኽን ዘይዘለዓለም ሕይወትን እዩ” ብምባል ናይ ባህርይ ኣምላኽ ምዃኑ መስከረ /ዮሓ 1፡1 1፡14 1ይ ዮሓ 5፡20/። ቅዱስ ጳውሎስውን “ክርስቶስ ብሥጋ መጸ ንሱ ልዕሊ ዅሉ ብሩኽ ኣምላኽ እዩ” በለ /ሮሜ 9፡5/። ደጊሙውን “ኣብ ሰማያትን ኣብ ምድርን ዘሎ፡ ዚርኤን ዘይርኤን፡ ዝፋናት ኰኑ ወይስ ጕይትነት፡ ሕልቅነት ወይስ ሥልጣናት፡ ኵሉ ብእኡ ተፈጢሩ አሎ እሞ፡ ኵሉ ብእኡን ንእኡን እዩ እተፈጥረ” ብምባል ፈጣሪ ምዃኑ ኣነጸረ /ቆሎ 1፡15/። 

 እዚ ኣምላኻውን መጽሓፍ ቅዱሳውን ቃል ዘይፈለጡን ዘይተረድኡን ህጹጻነ ኣእምሮ ዝኾኑ ሰባት ግና ናይ ክርስቶስ ኣምላኽነት ኣይቅበሉን። ነዚ ግጉይ ዝኾነ ትምህርቶም ሓቂ ንምምሳል ድማ ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ጥቕስታት ኪቖናጽሉ ይረኣዩ። ሓደ ካብቶም ብጠዋይ ትርጕም ሰብ ንምስሓት ዝጥቀምሎም ቃላት ድማ እዚ ሕጂ ንዘራረበሉ ዘለና ኃይለ ቃል እዩ። ማለት “ክርስቶስ መወዳእታ ዓለም መኣስ ከም ዝኾነ ስለ ዘይፈልጥ ኣምላኽ ኣይኮነን” ይብሉ /ሎቱ ስብሐት/።

እቲ ቓል ከምዚ እዩ ዝብል “ነታ መዓልቲ እቲኣን ነታ ሰዓት እቲኣን ግና ብዘይካ ኣብ በይኑ፡ መላእኽቲ ሰማይ ኮኑ፡  ወዲ ሰብ ኮነ ሓደ እኳ ዚፈልጣ የልቦን”

ኣብዚ ነስተውዕል “ኣቦ በይኑ” ጥራይ እዩ ዝብል ዘሎ፡ መንፈስ ቅዱስ ከ? ኣይፈልጣን እዩ ማለት ድዩ፧ ቅዱስ ጳውሎስ ነዚ ኣመልኪቱ ከምዚ ይብለና “እቲ መንፈስ ግና መዓሙቚ ኣምላኽ እኳ ኸይተረፈ ንዂሉ ይምርምር እዩ እሞ፡ ንኣና ኣምላኽ ብመንፈሱ ገይሩ ገለጸልና”/1ይ ቆሮ 2፡10/። እሞኸ ደኣ መንፈስ መዓሙቕ ኣምላኽ ከይተረፈ ኵሉ ዝምርምር እንተ ኾይኑ ንሱ ዘይፈልጦ ከመይ ኢሉ ክህሉ ይኽእል፧ ስለዚ ክብሪ ንእኡ ይኹኖ እግዚአብሔር መንፈስ ቅዱስውን ኵሉ ይፈልጥ እዩ።

 ብዛዕባ ወልድ ድማ ንርአ፦ “ኢየሱስ ድማ ሓሳባቶም ፈሊጡ በለ፡ ንምንታይ ብልብኹም ክፉእ ትሐስቡ ኣሎኹም” /9፡4/” …ኢየሱስ ሓሳባቶም ፈሊጡ በሎም፡ ንሓድሕዳ እተፈላለየት ኵላ መንግሥቲ ትዖኑ፡ ንሓድሕዳ እተፋላለየት ኵላ ኸተማ ወይስ ቤት ድማ ኣይትነብርን እያ”/12፡25/… “ኢየሱስ ግና፡ ኣብ ሰብ ዘሎ ባዕሉ ይፈልጥ ስለ ዝነበረ፡ ሓደ እኳ ብናይ ሰብ ኪምስክረሉ ኣየድለዮን፡ ንዅሎም ይፈልጦም ነበረ እሞ፡ ኣይኣመኖምን” /ዮሓ 2፡24-25/።

ስለዚ ኣብ ላዕሊ ከም ዝረኣናዮ ንሱ ሓሳባት ሰብ እኳ ዝፍልጥ ኣምላኽ እዩ። ብተወሳኺውን “ድኅሪ ኽልተ መዓልቲ ፋስጋ ምዃኑ ትፈልጡ አሎኹም፡ ንወዲ ሰብ ድማ ኪስቀል፡ ነሕዛብ ኣኅሊፎም ኪህብዎ እዮም”/ማቴ 26፡2/

 “ካብ ኣቦይ ኵሉ ተዋሂቡኒ ኣሎ። ንወዲ ብጀካ ኣቦ ሓደ እኳ ዚፈልጦ የልቦን፡ ነቦ ኸኣ ብጀካ ወድን እቲ ወዲ ኺገልጸሉ ዚፈቱን: ዚፈልጦ የልቦን” /ማቴ 11:27/። “እንሆ፡ ቀልጢፈ እመጽእ አሎኹ፡ ንነፍሲ ወከፍ ከከም ግብሩ ኽፈድዮ ኸኣ፡ ዓስበይ ምሳይ እዩ” /22:12/ “ግናኸ ወዲ ሰብ ብኽብሩ ምስ መጸ፡ ኵሎም መላእኽቲውን ምስኡ፡ ሽዑ ኣብ ዝፋን ክብሩ ይቕመጥ ኵሎም ኣሕዛብ ድማ ኣብ ቅድሚኡ ይእከቡ። ንሱ ኸኣ፡ ጓሳ ነባጊዕ ካብ ኣጣል ከም ዚፈላልየን፡ ካብ ንሓድሕዶም ይፈላልዮም” /ማቴ 25፡32/። ዝብሉ ቓላት ንሱ ኣብ ኣቦ ዘሎ ኵሉ ዝፈልጥ፡ ንፍርዲ ዝመጽእውን ንሱ ስለ ዝኾነ መኣስ ከም ዝመጽእ ጽቡቕ ገይሩ ዝፈልጥ ዘረድኡ እዮም። 

ምሥጢረ ሥላሴ ኪንመሃር ከለናውን፡ ኣብ ቅድስት ሥላሴ ሓንቲ፡ ልቢ፡ ሓንቲ ቓል፡ ሓንቲ እስትንፋስ ኣለዋ። እግዚአብሔር አብ ልቦም እዩ፡ ንሱ ናይ ሠለስቲኦም ልቢ ስለ ዝኾነ ንሱ ዝፈልጦን ዝሓስቦን ሠለስቲኦም ኣካላት ዝሓስብዎን ዝፈልጥዎን ደኣ እምበር ናይ በይኑ ፍልጠትን ሓሳብን የብሉን። እግዚአብሔር ወልድ ድማ ናይ ኵላቶም ቃል እዩ፡ እግዚአብሔር መንፈስ ቅዱስ ድማ ናይ ሠለስቲኦም እስትንፋስ (ሕይወት) እዩ። ስለዚ ፍልጠቶም ሓሳቦም ፍቓዶም ሥልጣኖም ሓደ እዩ።

ነዚ ዝበለሉ ምኽንያታት ግና

1/ ቅዱስ ቄርሎስ፦ “ነቲ ኅቡእ ዘይፈልጥ ዝነበረ ባህርይ ሰብነቱ ምኽንያት ክህብ ኢሉ እዩ እምበር ኅቡእ ዘይፈልጥ ኮይኑ ኣይኮነን” ይብለና። እዚ ማለት ሥጋ ቅድመ ተዋሕዶ ኅቡእ ይፈልጥ ኣይነበረን። ክርስቶስ ድማ ነዚ ቅድመ ተዋሕዶ ኅቡእ ዘይፈልጥ ዚነበረ ሥጋ ብሓቂ ተወሓሒዱ ከም ዘሎ ንኸረድእ ነዚ ተዛረበ።

ቅዱስ ኣምብሮስ፦ እቲ ምልክታት ናይ ምጽኣቱ ዝነገረና ፈራዲ ዝኾነ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ብዛዕባ እታ ዝመጸላ ሰዓትን ዕለትን ዘይፈልጥ ክኸውን ኣይክእልን እዩ። እታ ዝመጸላ መዓልቲ እታ ኣምላኽን ቅዱሳኑን ዝዓርፉላ ሓቀኛ ሰንበት እንተ ኾይና. ከመይ ገይሩ ደኣ ንሱ ጐይታ ሰንበት ክኸውን? (ማቴ 12፡8)። እዚ ማለት ከምቲ ቕዱስ ዮሓንስ ኣብ ራእ 1፡10 ንሰንበት መዓልቲ ጐይታ ዝበላ፡ በዛ ዕለት እዚኣ ካብ ሞት ተፈልዩ ከም ዚተንሥአ ዓስብና ኪኸፍለና ዳግማይ ዝመጽእውን በዛ መዓልቲ እዚኣ ስለ ዝኾነ እዩ። ጐይታ ድማ ኣነ ጐይታ ሰንበት እየ ካብ በለ፡ እታ ዝመጸላ ሰንበት ኣየነይቲ ምዃና ንሱ ጽቡቕ ገይሩ ይፈልጣ እዩ።

2/ ሕቶ ናይ ደቂ መዛሙርቱ ንምዕጋት፦ እደቀ መዛሙርቱ ንጐይታ ምልክት ምምጻእኻ ንገረና ደኣ እዮም ዝበሉዎ እምበር፡ መኣስ ኪትመጽእ ኢኻ ኣይበሉዎን። ንሱ ድማ ምእንቲ ኸይሓትዎ ኣቐዲሙ ነዚ ቓል እዚ ተዛረበ። ምኽንያቱ እንተ ሓቲቶምዎ ኣይፈልጣን እየ ክብሎም ኣይክእልን እዩ። እንተ ነጊርዎም ከኣ ንኣኣቶም ዝጐድእ እምበር ዝጠቅም ኣይኮነን። ንሱ ድማ ንኣና ዘይጠቅም ነገር ስለ ዝኾነ ኪነግረና ኣይደለየን።

 ቅዱስ ዮሓንስ ኣፈወርቅ፦ “መላእኽቲውን ይኹን  ብምባል እዚ ካባታቶም ዝሠወሮን መላእኽቲውን ከምዘይፈልጥዎን ነገረ፡ ወዲውን ይኹን ብምባል ድማ ንኸይፈልጥዋ ጥራይ ዘይኮነ ንኸይሓቱውን ከልከሎም። ብምባል ኣብሪህዎ ኣሎ።

ቅዱስ ኣውግስጢን ድማ፦ ብርግጽ ኣቦ ወልድ ዘይፈልጦ ዋላ ሓደ ነገር ኣይፈልጥን እዩ። ምኽንያቱ ወልድ ናይ ኣቦ ፍልጠቱን ቃሉን ጥበቡን ስለ ዝኾነ። እንተኾነ ግና ንኣና ዘይጠቅም ነገር ክንፈልጥ ኣገዳሲ ስለ ዘይኮነ ክነግረና ኣይደለየን….ንሱ ከም መምህር ሓደ ሓደ ንኣና ዝጠቕሙና ነገራት ነጊርና፡ ንኣና ዝጐድእ ነገራት ግና ኣየፍልጠናን።ዳዊት “ኦ ጐይታ ተንሥእ” ይብል (መዝ 3፡7) እዚ ማለት ድማ ኣተንሥኣና ማለት እዩ። ስለዚ ወዲ ሰብ ኣይፈልጣን እዩ ማለት ነታ መዓልቲ ክገልጻ (ክነግራ) ኣይደለየን ማለት ደኣ እምበር ዘይፈልጣ ኾይኑ ኣይኮነን” ይብለና።

 ኣባ ቴዎፍሎስ ውን፦ ነታ መዓልቲ እቲኣን ሰዓትን ከም ዝፈልጣ እንተኾነ ግና ክገልጸሎም ከም ዘይደለየ እንተዝነግሮም መጨነቖም ነይሩ ስለዚ ብጥበብ ገይሩ ብዛዕባ እታ ዕለት ካብ ምሕታት ኣድኃኖም” ብምባል እንተ ዝነግሮም ካብ ጥቕሙ ጕድኣቱ ስለ ዝበዝሕ ነዚ ፈሊጡ ደኣ ኣይነገሮምን እምበር፡ ዘይፈልጣ ኾይኑ ከም ዘይኮነ የነጽርዎ። 

 እዚ ማለት ምጽኣቱ ኣብ ቀረባ ጊዜ ምዃኑ እንተ ፈሊጥና ኣብ ብዙኅ ረበሻን ሸበድበድን ምኣተና። ነዚ ድማ ሰብአ ተሰሎንቄ ምስክርና እዮም፡ ንሳቶም ምጽኣት ክርስቶስ ኣብ ሓጺር ጊዜ ዝኸውን መሲልዎም ተረቢሾም ስለ ዝነበሩ፡ ቅዱስ ጳውሎስ፦ “ግናኸ፡ ኣቱም ኣኅዋትና፡ ብዛዕባ ምጽኣት ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ናብኡ ምእካብናን፡ መዓልቲ ጐይታ ሕጂ ቕርብቲ ኸም ዘላስ፡ ብመንፈስ ወይስ ብቓል ወይስ ከምታ ኻባና ዝመጸትኩም ደብዳበ፡ ካብቲ ኣእምሮኹም ቀልጢፍኩም ከይትናቓነቑን ከይትስምብዱን፡ ንልምነኩም አሎና” ብምባል ኪስንብዱ ከም ዘይብሎም ድኅሪ ምንጋሩ፡ ቀጺሉ ድማ፦ “ቅድም ክሕደት ከይኰነ፡ እቲ ርእሱ ኣምላኽ ምዃኑ እናኣርኣየ፡ ኣብ መቕደስ ኣምላኽ ክሳዕ ዚቕመጥ፡ ኣምላኽን ቅዱስን ኣብ ዚብሃል ዘበለ ዚትንሥእን ዚዕበን ሰብኣይ ዓመጻ፡ እቲ ወዲ ጥፍኣት፡ ከይተገለጸ፡ እታ መዓልቲ እቲኣ ኣይትመጽእን እያ እሞ፡ ብዝኾነ እንተ ኾነ ሓደ እኳ ኣየስሕትኩም” ብምባል የተሓሳስቦም /2ይ ተሰ 2፡1-4/።

 እታ ናይ መወዳእታ ጊዜ ኣዝያ ርሕቕቲ ምዃና እንተ ፈሊጥና ድማ ገና እዩ እናበልና፡ ኣብ ገቢረ ኃጢአትን ሸለልትነትን ምነበርና። ነዚ ኣመልኪቱውን ቅዱስ ጴጥሮስ፦ “ንሳቶም ከኣ፡ ተስፋ ምጽኣቱ ደኣ ኣበይ አሎ፧ ካብታ ኣቦታትና ዝደቀሱላ መዓልቲ፡ ካብ መጀመርታ ፍጥረት ኂዙ ኵሉ ኸምቲ ዝነበሮ እዩ ዘሎ፡ ኪብሉ እዮም” ብምባል የረድኣና /2ይ ጴጥ 3፡4/። ስለዚ በዚ ምኽንያት ኪነግሮም ኣይፈተወን።

3/ ልማድ መጽሓፍ እዩ፦ እግዚአብሔር ንኣዳም “ኣበይ ኣሎኻ፧”  /ዘፍ 3፡9/ ዝበሎ ኣዳም ኣበይ ከም ዘሎ ጠፊእዎ ድዩ፧ .. “ካብኣ ኣይትብላዕ፡ ኢለ ዝኣዘዝኩኻ ኦምዶ በሊዕካ ኢኻ፧” /ዘፍ 3፡11/ ዝበሎኸ ከም ዝበልዐን ከም ዘይበልዐን ስለ ዘይፈለጠ ድዩ፧ ንቓኤል “ኃውኻ ኣቤል ኣበይ ኣሎ፧” ዝበሎ ኸ ኣቤል ከም ዝተቐተለ ጠፊእዎ ድዩ፧ /ዘፍ 4፡9/። ንሙሴ “እዛ ኣብ ኢድካ ዘላ እንታይ እያ፧” ዝበሎ ኸ ሙሴ ዝሓዛ በትሪ ከም ዝኾነት ጠፊኣቶ ድያ፧ /ዘፀ 4፡9/  ኣብ ሓድሽ ኪዳን ውን፦ “ደቂ ሰባት ንወዲ ሰብ መን ይብልዎ” ብምባል ጐይታና ንሓዋርያት ሓቲትዎም ነይሩ፧ መን ከም ዝብልዎ ጠፊእዎ ግና ኣይኮነን። ኣልኣዛር ኣበይ ቀቢርኩምዎ ዝበለውን ኣበይ ከም ዚተቐብረ ጠፊእዎ ኣይኮነን። ምኽንያቱ ኣልኣዛር ከም ዝሞተ ዝፈለጠውን ባዕሉ ደኣ እምበር ዚነገሮ ሰብ ኣይነበረን /ማቴ 16፡13-15 ዮሓ 11፡34/። 

4/ ወዲ ሰብ ማለቱ ብሓፈሻ ንሕና ፍጡራት ደቂ ሰባት ማለቱ እዩ። ካብ ፍጡራት ዕለተ ምጽኣት ዝፈልጥ ስለ ዘየልቦ እዩ።

ስብከት ብድምፂ

Friday 17 March 2017

ትምህርተ ጾም ዘኦርቶዶክስ 17 ኽፋል


ደብረ ዘይቲ

እዚ ዕለት እዚ ደብረ ዘይት ይበሃል። ስያሜኡ ከምተን ዚቐደማ ሰንበታት ካብ ቅዱስ ያሬድ ዚተረኽበ ኾይኑ፡ ኣብዚ ዕለት እዚ መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ብዝተዋሓሓዶ ሥጋ ብግርማ መለኮቱ ዳግማይ ንፍርዲ ኸም ዝመጽእን፡ ምልክታት መወዳእታ ዓለም ከመይ ከም ዝኸውን ንሓዋርያት ኣብ ደብረ ዘይቲ ከም ዝመሃረን ከምኡውን ነቲ ብኽብሪ ዝዓረገ ጐይታ ንዝተቐበልዎ ዋጋኦም ንዘይተቐበልዎ ኸኣ ፍዳኦም ኪኸፍል ናይ ምድሪ ሥርዓት ክስዕር፡ ንሰማይን ምድርን ኬኅልፍ፡ ንፈተውቱ ናይ ክብሪ መንግሥቲ ኼውርስ፡ ናይ ቅዱሳኑ ንብዓት ኪደርዝ፡ ንኃጥአን ኪወቅስ፡ ንጻድቃን (ብሩካን እናበለ) ኺውድስ ከም ዝመጽእ እናዘከረት ቤተ ክርስቲያን ንፈጣሪኣ ተምልኽ። ቅዱስ ያሬድ ነዚ ትምህርቲ እዚ ኣብ መዝሙሩ ጠቒሱ ስለ ዚዘመሮን፡ ኣብዚ ዕለት እዚ ድማ ከም ዝዝመር ስለ ዚተገብረን እዚ ዕለት  ደብረ ዘይቲ ይበሃል።

ናይ ዕለቱ ናይ ቅዱስ ያሬድ መዝሙር ኣርእስቲ

እንዘ ይነብር እግዚእነ ውስተ ደብረ ዘይት
(ጐይታና ኣብ ደብረ ዘይት ተቐሚጡ እንከሎ)
ኣብ ጊዜ ቕዳሴ ዚንበቡ ክፍልታት ናይ መጽሓፍ ቅዱስ
1ይ ተሰ 4፡13  ዲያቆን (ገባሬ ሠናይ)
2ይ ጴጥ 3፡7-15 ዲያቆን (ንፍቅ)
ግ.ሓ 24፡1-22 ካህን ተራዳኢ

ምስባክ
እግዚአብሔርሰ ገሃድ ይመጽእ
ወአምላክነሂ ኢያረምም
እሳት ይነድድ ቅድሜሁ

እግዚአብሔር ግልጺ ኾይኑ ኪመጽእ እዩ
ኣምላኽና ኪመጽእ እዩ ስቕ ድማ ኣይክብልን እዩ
ኣብ ቅድሚኡ ዝባላዕ ሓዊ ኣሎ /መዝ 50፡3/

ትርጕም፦ ዚተሰበኸ ምስባክ ብዛዕባ ክልቲኡ ምጽኣት ናይ ኢየሱስ ክርስቶስ ዘመልክት እዩ።
እግዚአብሔር ወልድ ብሥጋ ማርያም (ናይ ማርያም ሥጋ ለቢሱ) ኺመጽእ እዩ፡ መጺኡ ኸኣ ስቕ ኣይክብልን እዩ “አሌ ለክሙ ጸሐፍት ወፈሪሳውያን መደልዋን” ኣቱም ግቡዛት ጸሓፍትን ፈሪሳውያንን ወይልኹም እናበለ ኺግሥፅ እዩ ወንጌልውን ኪምህር እዩ።

እግዚአብሔር ወልድ ብክበበ ትስብእት ብግርማ መለኮት ዳግማይ ኪመጽእ እዩ። መጺኡ ኸኣ ስቕ ኣይክብልን እዩ፡ ንጻድቃን፦ “ኣንቱም ናይ ኣቦይ ብሩኻት ናባይ ንዑ” ኢሉ ኪጽውዖም እዩ። ንኃጥአን ከኣ፦ “ኣንቱም ርጉማን ካባይ ርሓቑ” ኢሉ ከሰናብቶም እዩ። ኣብ ቅድሚኡ ዝባላዕ ሓዊ ኣሎ ማለት ከኣ፡ ጻድቃን ዚድኅኑሉ ሕይወት ኃጥአን ዚጠፍኡሉ መዓት ኣብ ባህርይኡ ኣሎ ማለት እዩ።

ወንጌል ማቴዎስ 24፡1-36 ካህን 
ቅዳሴ፦ ኣትናቴዎስ


ስብከት ዘደብረ ዘይት

ጐይታና ብዛዕባ ዳግም ምጽኣቱ ዚመሃረሉ ክፍሊ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ፡ በዚ ዕለት እዚ ድማ ዚንበብ ወንጌል ማቴዎስ ምዕራፍ 24 እዩ። ኣብዚ ትምህርቲ እዚ ጐይታና ብዛዕባ መወዳእታ ዓለም ጥራይ ዘይኮነ ብዛዕባ ምድምሳስ ኢየሩሳሌም ብንጉሥ ጥጦስውን ከም ዝመሃረ ሊቃውንተ ቤተ ክርስቲያን ይሰማምዕሉ። ፖፕ ሺኖና ሣልሳይ ነዚ ኣመልኪቶም ኣብ ዚጸሓፍዎ ቓል ከምዚ ይብሉ፦ “ብርግጽ ጐይታና ኣብ ማቴ 24ን ማር 13ን ዝተዛረቦ ንኽልተ ነገራት እዩ። ንሳቶም ድማ ስለ ጥፍኣት ኢዮርሳሌምን ብዛዕባ መወዳእታ ዓለምን እዩ። “እዚ ዅሉ ክሳዕ ዝፍጸም እዚ ትውልዲ እዚ ኣይኃልፍን እዩ” ዝብል ኣበሃህላ ብዛዕባ ጥፍኣት ኢዮርሳሌም ዝተነገር ትንቢት እዩ። እዚ ውን ኣይተረፈን ኢዮርአሌም ብ70 ዓ.ም ብምድምሳስ ኣይሁዳውያን  ኣብ ልዕሊ ምድሪ ብምብታን ተፈጺሙ እዩ። 

ካልእውን ብዛዕባ መወዳእታ ዓለም ዘይኮነ ብዛዕባ ጥፍኣት ኢዮርሳሌም ዝተነገር ትንቢታት ዝገልጽ ጥቕስታት ንመልከት፡ ማቴ 24፤9-10 ማቴ 24፤ 15-20፤ 40-41 ስለዚ ኵሉ ምዕራፍ ብዛዕባ መወዳእታ ዓለም ዝተነግረ ጌርኩም ኣይትውሰድዎ” ብምባል ይገልጹ።

/1/ ኢየሱስ ካብ ቤተ መቕደስ ወፂኡ ኪኸይድ ከሎ፡ ደቀ መዛሙርቱ ናብኡ ቐሪቦም ሕንጻ ቤተ መቕደስ ኣርኣይዎ። /2/ ንሱ ድማ መሊሱ፡ እዚ ዅሉስ ትርእይዎዶ አሎኹም፧ ኣብዚ ዘይፈርስ እምኒ ኣብ ልዕሊ እምኒ ኣይክተርፍን እዩ፡ እብለኩም አሎኹ፡ በሎም። 

መግለጺ፦ እዚ ምፍራስ ቤት መቕደስ ድኅሪ ሰብዓ ዓመተ ምሕረት ብጥጦስ ሮማዊ ንጉሥ ከም ዝተፈጸመ ይገልጽ። መጽ.ዜና ኣይሁድ።

/3/ ጐይታ ኣብ ደብረ ዘይቲ ተቐሚጡ ኸሎ፡ ደቀ መዛሙርቱ ናብኡ ቀረቡ፡ ብሕት ኢሎም፡ እዚ ምፍራስ ቤት መቕደስ መኣዝ ኪኸውን እዩ፧ ናይ ምምጻእካን ኅልቀት ዓለምንከ ምልክቱ እንታይ እዩ፧ እስከ ንገረና፧ በልዎ። /4/ ጐይታ ኢየሱስ ከምዚ በሎም፡ ሓደ እኳ ኸየስሕተኩም ተጠንቀቑ። /5/ ከመይ ኣነ ክርስቶስ እየ፡ እናበሉ ብዙኃት ብስመይ ኪመጹ እዮም፡ ንብዙኃትውን ኬስሕቱ እዮም። /6/ ውግእን ወረ ውግእን ክትሰምዑ ከለኹም ኣስተውዕሉ ኣይትሰምብዱ። ምኽንያቱ እዚ ዅሉ ብግድን ኪኸውን እዩ፡ እንተኾነ መወዳእታ ሽዑ ኣይኮነን። /7/ ሕዝቢ ኣብ ልዕሊ ሕዝቢ፡ መንግሥቲውን ኣብ ልዕሊ መንግሥቲ ኺለዐል እዩ። ኣብ በቦታኡ ድማ ጥሜትን ፌራን ምንቅጥቃጥ ምድርን ክርክርን ኪኸውን እዩ። 

/8/ እዚ ዅሉ መጀመርታ ቕልውላው እዩ። /9/ በቲ እዋን እቲ ንመከራ ኣኅሊፎም ኪህብኹም ኪገርፉኹምን ኪቐትሉኹምን እዮም። ስለ ስመይ ከኣ ብዅሎም ኣሕዛብ ጽሉኣት ክትኮኑ ኢኹም። /10/ ሽዑ ብዙኃት ኪኽሕዱ፡ ንሓድሕዶምውን ኪጻላልኡን ኪቃተሉን እዮም። /11/ ብዙኃት ሓሰውቲ ነቢያት ኪትንሥኡ ንብዙኃትውን ኬስሕቱ እዮም። /12/ ብሰንኪ ብዝኂ ዓመጽን ክፍኣትን ከኣ ናይ ብዙኃት ፍቕሪ ኽትዝሕል እያ፡ ብዙኃት ከኣ ሃይማኖቶምን ፍቕሮምን ክልውጡ እዮም። /13/ እቲ ተዓጊሡ መከራ ዝቕበል ግና ኪድኅን እዩ።  እቲ ክሳዕ መወዳእታ ዝዕገሥ ግና ንሱ ካብ ፍዳ ኪድኅን እዩ።/14/ ንዅሎም ኣሕዛብ ምስክር ምእንቲ ኪኸውን እዚ ወንጌል መንግሥቲ እዚ ኣብ ምሉእ ዓለም ኪስበኽ እዩ።

መግለጺ፦ ወንጌል መንግሥቲ ማለት፡ ክርስቶስ ወልደ እግዚአብሔር ከም ዝነገሠ ዲያብሎስ ከም ዝተሳዕረ፡ ኣዳም ከም ዝደኃነ፡ ሞተ ሥጋን ሞተ ነፍስን ከም ዝጠፍአ ስለ እተበሥር እዩ /ዮሓ 12፡31-32/። 

ቀዳማይ ሽዑ ኅልቀት፡ ናይ ኣይሁድ ጥፍኣት ኪኸውን እዩ።

ዜስካሕ ክሕ መከራ

ማር 13፡14-23፡ ሉቃ 21፡20-24

/15/ እቲ ብነቢይ ዳንኤል ዝተነግረ ቤት መቕደስ ትፈርሰሉ  ናይ ጥፍኣት ርኽሰት ማለት ናይ ጥጦስ ጣዖት ኣብታ ቕድስቲ ስፍራ ቆይሙ ምስ ረኣኹም፡ እቲ ዜንብብ የስተውዕል።

ካልኣይ፦ መወዳእታ ዓለም ዝኾነሉ ናይ ሓሳዌ መሲሕ (ጸረ ክርስቶስ ጣዖትን ጣዖትነቱን ምስ ረኣኹም ሽዑ ኅልቀት (መወዳእታ) ይኸውን። እቲ ኣብታ ቅድስቲ ስፍራ ቆይሙ ዜንብብ ሰብ ድማ ነቲ ብነቢይ ዳንኤል ዝተነግረ ትንቢት የስተውዕሎ /ዳን 9፡25-27/።

/16/ ቀዳማይ ሽዑ እቶም ኣብ ይሁዳ ዘለዉ ናብ እምባታት ይህደሙ። 17/ እቲ ኣብ ዝባን ናሕሲ ዝጸንሐ ኸኣ ኣብ ቤቱ ንዘሎ ኪወስድ ኣይውረድ።/18/ እቲ ኣብ በረኻ (ኣብ ግራት) ዝጸንሐ ድማ ክዳኑ ኪወስድ ኢሉ ንድኅሪት ኣይመለስ።

ካልኣይ፦ እቶም ኣብ እምነት ዘለዉ፡ ረድኤት እግዚአብሔር ጸግዒ ይግበሩ፡ ኣብ ልዕልና ነፍሲ ዘሎ፡ ምድራዊ ሥራሕ ኪሠርሕ ናብ ምድሪ ኣይውረድ። ኣብ ገዳም ኣብ ምናኔ ዘሎ፡ ዓለማዊ ተግባር ኪሠርሕ ንድኅሪት ኣይመለስ።

/19/ በተን መዓልታት እቲአን ግና ንጥኑሳትን ንመጥበውቲ ሕፃናትን ወይልአን። 

መግለጺ፦ ጥኑሳት ኣብ መገዲ ሕርሲ ስለ ዘጋጥመን እዩ፡ መጥበውቲ ኸኣ ሕፃናት መግቢ፡ ማይ፡ ጸባ እናበሉ ስለ ዘሸግርወን እዩ።

ካልኣይ፦ ብሕሊና ጠኒሶም ብቓል ወሊዶም ንኃጢአት ብተግባር ዘዕብዩ ሰባት ወይልኦም፡ መከራ ነፍሲ ኪረኽቦም እዩ /ያዕ 1፡15/።

/20/  እቲ ምህዳምኩም ብኽረምቲ ወይ ብሰንበት ከይከውንሲ ጸልዩ። 

መግለጺ፦ ክረምቲ ወርኃት ዝናብ ስለ ዝኾነ ንምህዳም ምቹእ ኣይኮነን፡ ሰንበት ከኣ በዓል ስለ ዝኾነ መገዲ ዝሕብር ኣይርከብን እዩ። ከምኡውን ክረምቲ ቈጽሊ እምበር ፍረ የብሉን፡ ሰንበትውን መዓልቲ ሥራሕ ኣይኮነን በዓል እዩ። ንስኻትኩምውን ፍረ ጽድቂ ከየፍረኹም ብቘጽሊ ዝምሰል እምነት ጥራይ ኂዝኩም ከለኹም ሞት ከይረኽበኩም ጸልዩ።

/21/  ከመይ ሽዑ ካብ መጀመርታ ዓለም ኂዙ ክሳዕ ሎሚ ከምኡ ዘይኰነ፡ ድኅሪ ሕጂውን ከቶ ድማ ዘይከውን ብርቱዕ መከራ ኪወርድ እዩ።/22/  እተን መዓልትታት እቲአን ዘይሐጽራ እንተ ዝኾናስ፡ ሥጋ ዝለበሰ ዘበለ ዅሉ ኣይምደኃነን ነይሩ።  ግናኸ እተን መዓልትታት እቲአን ምእንቲ እቶም ኅሩያት ኪሓጽራ እየን። 

መግለጺ፦ ሓሳዌ መሲሕ (ፀረ ክርስቶስ) ዝገሃደለን መዓልታት ሠለስተ ዓመትን ሽዱሽተ ወርኅን እየን /ራእ 11፡2 ዳን 12፡11-12/። ከምኡውን ካብ መዓልቲ ሲሶ ካብ ለይቲውን ሲሶ ይጐድል፡ ቀልጢፉ ይመሲ ቀልጢፉ ይወግሕ ስለዚ ኪሓጽራ እየን በለ /ራእ 8፡12።

/23/  ሽዑ ዝኾነ ሰብ እንሆ ክርስቶስ ኣብዚ ኣሎ ወይ ከኣ ኣብቲ ኣሎ፡ እንተ በለኩም፡ ኣይትእመኑ።/24/ ምኽንያቱ ከኣ ብስም ክርስቶስ ዘታልሉ  ነቢያትን (መምህራን) ኪለዓሉ እዮም። ንመስሓቲ ዝኸውን ዓቢይ ምልክትን ተኣምራትን ኪገብሩ እዮም። ኣይከኣሎምን እምበር እንተ ተኻእሎምሲ፡ ነቶም ኅሩያት እኳ መስሓትዎም። 

ቅዱስ ጎርጎርዮስ ዓቢይ፦ እንተተኻእሎምሲ “ስለምንታይ እንተተኻእሎምሲ ኢሉ? ዋላ እኳ እንተተጠራጠረ ዋላ እኳ እግዚአብሔር እንታይ ከም ዝመጽእ ኣቐዲሙ ዝፈልጥ እንተኾነ፡ እዚ ሓደ ካብዞም ክልተ ነገራት ክኸውን ይኽእል እዩ። ብሓቂ ኅሩያት እንተኾይኖም ፈጺሞም ክስሕቱ ኣይክእሉን እዮም፡ ክስሕቱ ዝኽእሉ አንተ ኮይኖም ግና ሕሩያት ኣይኮኑን…..ነዚ ዝበለና እምበኣር እቲ ሓሰውቲ ነቢያት ዘስሕትዎ ምስሓት ማዕረ ኽንደይ ዓቢይ ምዃኑ ኣድህቦ ንኽንገብር ኢሉ እዩ።

 “ብዙኃት ኣቦታት እዞም ነገራት እዚኣቶም ቀቅድሚ ክርስቶስ ምምጻኡ ከምዚ ተጻሒፍዎ ዘሎ ክፍጸሙ ምዃኖም ይኣምኑ። ቅድሚ ክርስቶስ ብደመና ምግላጹ እዚ ማተርያላዊ (ንዋታዊ) ዓለም ፈጺሙ ክደምሰስ እዩ፡ እቲ ሰማያዊ ዘለዓለማውን ዓለም ምእንቲ ኽግለጽ። (ኢሳ 13: 10 - 13) (ኢሳ 34: 4) (ሕዝ 32: 7, 8) (ኢዩኤል 2: 10) (ኣሞጽ 8: 9, 10)


/25-26/ እንሆ፡ ኣቐዲመ ነጊረኩም ኣሎኹ። እምበኣር ክርስቶስ ኣብ ምድረ በዳ ኅብስቲ ኣበርኪቱ ይምግብ አሎ፡ እንተ በሉኹም ናብኡ ኣይትኺዱ፡ እነሆ ኣብ ውሽጢ ቤት ጸሎት ይምህር ኣሎ እንተ በሉኹምውን፡ ኣይትእመኑ።/27/ ከመይሲ ምብራቕ (ፀሓይ) ካብ ምብራቕ ወፂኡ ክሳዕ ምዕራብ ከም ዝርአ፡ ምጽኣት ክርስቶስ ድማ ከምኡ ኪኸውን እዩ። ማለት ኣብ ኵሉ ኪርአ እዩ። /28/  ገምቢ ኣብ ዘለዎ፡ ኣሞራታት ከኣ ናብኡ እዮም ዝእከቡ። 

መግለጺ፦ ሉቃስ ከም ዝጸሓፎ “ጐይታ ኣበይከ እዩ” ኢሎም ሓተትዎ /ሉቃ 17፡37/። ክርስቶስ ኣብ ዘለዎ ምእመናን ኣብኡ ኪርከቡ እዮም። አንስርት ማለቱ ንስሪ ክንፊ ኣለዎ፡ ላዕሊ ላዕሊ ይበርር፡ ምእመናን ድማ ክንፊ ጸጋ ልዕልና ነፍሲ ኣለዎም።

Thursday 16 March 2017

ትምህርተ ጾም ዘኦርቶዶክስ 16 ኽፋል



.....ካብዚ ብተወሳኺ ጐይታና ነቲ መጻጕዕ ኣቐዲሙ ዚተጠንቀቐሉን ዚሓሰበሉን በዚ ጥራይ ከም ዘይነበረ እንከላይ ተግሣጽ ብዝመስል ኣዘራርባኡውን ከም ዝነበረ ምርኣይ ይከኣል እዩ። ምኽንያቱ ኃጢአቱ ኣብ ኣደባባይ ኣይገለጸሉን። እንተ ኾነ ግና እቲ ረኺብዎ ዚነበረ ሕማም ብሰንኪ ኃጢአቱ ከም ዚነበረ ንበይኑ ገይሩ ነገሮ፡ ኃጢአቱ እንታይ ከም ዚነበረ ግና ኣይተዛረበን። “ኃጢአት ጌርካ ኔርካ” ወይ “በዲልካ ኔርካ” ኣይበሎን፡ “ደጊምካ ኃጢኣት ኣይትግበር” ጥራይ በሎ። ነቲ ዚቐደመ ኃጢአቱ ብምዝኽኻር ንመጻኢ ኪጥንቀቕ ከም ዚግብኦ ኣነቓቕሖ። ጐኒ ጐኒ ናቱ ድማ ትዕግሥቱን ጽንዓቱን ጠቢብነቱን ኵሉ ንኣና ንጹር ገበረልና። ዋላ እኳ “እቲ ማይ ምስ ተናወፀ ናብቲ ቐላይ ዜውርደኒ ሰብ የብለይን፡ ኣነ ኽሳዕ ዚመጽእ ድማ ኻልእ ቀዲሙኒ ይወርድ” ብምባል ብሕማሙ ከም ዝበክን፡ ሰብ ብምስኣን ከም ዚተሸገርን ኣብ ኣደባባይ ከም ዝዛረብን እንተ ገበሮ፡ ንኃጢአቱ ግና ኣብ ኣደባባይ ኣይገለጸሉን /ዮሐ 5፡7/። 

ከምቲ ንሕና ኃጢአትና ኪንኃብእ ንደሊ እግዚአብሔር ድማ ካባና ንላዕሊ ንኣበሳና ይሽፍነልና እዩ። እዚ ስለ ዝኾነ ድማ ኣብ ኣደባባይ ፈወሶ፡ ምኽሪ ግና ንበይኑ ሃቦ። ሰባት ልቦናና ደንዲኑ ንኃጢአትና ምዝካር እንተዘይኣቢና እግዚአብሔር ንኃጢአጥና ፈጺሙ ኣብ ኣደባባይ ኣይገልጸልናን እዩ። ጐይታና “ጠምየ ኣየብላዕኩምንን ጸሚአ ኣየስቴኹምንን” ኢሉ ሕጂ ዚተዛረበና፡ ነዞም ቃላት እዚኣቶም ንሱ ኣብ ዝመጸሉ ጊዜ (ኣብ ኣደባባይ) ንኸይንሰምዖም እዩ። ኣብዚ ዓለም እዚ እንተፈራርሃናን እንተጋለጸናንውን ኣብቲ ዳኅራይ ዓለም (ጊዜ ምጽኣቱ) ንኸየጋልጸና ኢሉ እዩ። እዚ ድማ ልክዕ ከምቲ “ነነዌ ኪትግልበጥ እያ” ኢሉ ዜፍርህ ቃል ኪዛረብ ከሎ፡ ነነዌ ንኸይትግልበጥ ብምሕላይ ከም ዚተዛረቦ ማለት እዩ /ዮና 1፡2/። ንኃጢአትና ኺገልጸልና ፍቓዱ ነይሩ እንተ ዝኸውን፡ ንኃጢአትና ከም ዚገልጾም ኣቐዲሙ  ኣይምተዛረበን ነይሩ። እንተ ኾነ ግና ኣቐዲሙ ከም ዚገልጾም ምዝራቡ፡  ንኃጢአትና ከየጋልጸልና ብምፍራህ ወይ ድማ ንኃጢአትና ከየጋልጸልና እኳ እንተ ዘይፈራህና ነቲ ኪወርደና ዝኽእል ምረረ ገሃንም ብምፍራህ ካብ ኵሉ ኃጢአትና ንጹሓት ንኽንከውን ስለ ዝፈተወ እዩ። 

 ብጥምቀት ዝኸውን ድማ እዚ እዩ። ነቲ ተጠማቒ ኃጢአቱ ንዋላ ሓደ ኸይነገረ (ከየጋለጸ) ናብ ናይ መጠመቒ ማይ ከም ዝኣቱ ይገብሮ። እቲ ሰብ ብምጥማቑ ዚረኸቦ በረኸት ኣብ ኣደባባይ ይንገረሉ፡ ኃጢአቱ ግና ብዘይካ እግዚአብሔርን ባዕሉ እቲ ሥርየተ ኃጢአት ዚረኸበ ሰብን እንተ ዘይኮይኑ ዋላ ሓደ ኣይፈልጦን እዩ። ኣብቲ መጻጕዕ ዚኾነውን እዚ እዩ። ተግሣጽ ብኅቡእ ሃቦ፡ ተግሣጽ ጥራይ ዘይኮነ ስለ ምንታይ ክንድዚ ዝኣክል ዓመታት ሓሚሙ ከም ዚነበረ ኣፍለጦ፡ ናይ ሕማሙ ምኽንያት ኃጢአቱ ከም ዝነበረ ኣዘኻኸሮ። “ብድኅርዚ ኢየሱስ ኣብ ቤተ መቕደስ ረኸቦ እሞ እነሆ ሓዊኻ ኣሎኻ ካብዚ ዚገድድ ከይረኽበካ መሊስካ ኃጢአት ኣይትግበር በሎ” ከም ዝብል።...