bieteelyas.blogspot.com ቤተ ኤልያስ

Thursday 30 March 2017

ትምህርተ ጾም ዘኦርቶዶክስ መበል 23 ክፋል

5/ መንፈሳውያን ኣገልገልቲ ኣገልግሎቶም ብፍቕሪ ኪኸውን ይግባእ።

ቅዱስ ኣውጎስጢን፦ “እቲ በዓል ክልተ ድማ ፍቕሪ ብጻይ ዘለዎ እዩ፡ ክልቲኦም ግና ብጐይታ ሓደ ኮይኖም ኢዮም። እቲ ርኅሩኅ ሳምራዊውን ነቲ ቆሲሉ ዝነበረ ኃው ክልተ ዲናር ከፊልሉ እዩ፡ እታ መበለት ድማ ንእግዚአብሔርን ንድኻታትን ብምፍቃራ ክልተ ሳንቲም ሂባ ኢያ፡ ቅዱሳን መላእኽቲውን ኣብ ትንሣኤ ናይ ጐይታ ሓደ ብትርኣሱ ሓደ ድማ ብትርጋጹ ነበሩ፡ እዚ ድማ ምልክት ናይቲ ንሰማያውያንን ንምድራውያንን ሓደ ዝገበረ ፍቕሪ ክርስቶስ እዩ። ስለዚ በዓል ኃሙሽተን በዓል ክልተን ብዝነበሮም ፍቕሪ እግዚአብሔርን ፍቕሪ ብጻይን ሰማያዊ ዋጋኦም ክቕበሉ እንከለዉ፡ እቲ በዓል ሓንቲ መክሊት ግና ነቶም ንኣይ ይጥዓመኒ ዝብሉ ፍቕሪ እግዚአብሔርን ፍቕሪ ሰብን ዘይብሎም ስሱዓት ሰባት ዘመልክት እዩ” ብምባል ይትንትኖ። 

ኣብ ዘመንና ካብ ዝርአ ናይ ኣገልገልቲ ሽግራት ሓደ ፍቕሪ ምስኣን እዩ። ነፍሲ ወከፍ ኣገልጋሊ ብዛዕባ ካልእ ኣገልጋሊ እንተ ሓቲትካዮ ናቱ ሕማቕ እምበር ናቱ ጽቡቕ ኣይዛረብን እዩ። ብፍልጠት ይኹን ብመንፈሳውነት ንሱ ዝበለጸ ከም ዝኾነ ገይሩ ስለ ዝቖጽራ፡ ጽቡቕ ሥራሕ ናይ ካልኦት ኣገልገልቲ ከቃልል ይስማዕ። ንኻልኦት ብምንዓቕን ብምንሻውን ንሱ ዝዓበየ ከም ዝኾነ ብቐጥታን ብተዛዋዋርን መገዲ ንሰባት ከእምን ይፍትን። እዚ ድማ ሥዉር ትዕቢት እዩ። እዚ ማለት ኣነ ይበልጽ ኣብ ክንዲ ምባል እከለ ሕማቕ እዩ ምባል እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ግና “ንሓድሕድኩም ሓንቲ ሓሳብ ሕሰቡ። ምስቶም ታሕቶት ትሕት በሉ እምበር፡ ኣብቲ ልዕል ዝበለ ነገር ሓሳብኩም ኣይተውድቑ። ጠቢባን ኢና ኢልኩም ብርእስኹም ኣይትሕሰቡ” ይብለና/ሮሜ 12:16/።

 ገለ ድማ ብሥጋዊ ጥቕሚ ነቶም ጥቕመይ ይቃጸጹኒ እዮም ኢሉ ዝሓስቦም ኣገልገልቲ ይጸልእ። ናይ ሽመትን ናይ ሥልጣንን ሕማም ዘለዎ ድማ ነቶም ብሽመትን ሥልጣንን የስግኡኒ እዮም ዝብሎም ሰባት ብዙኅ መከራ ከም ዝወርዶም ብምግባር ኣንጸርጺሮም ካብኡ ከም ዝርሕቁ ይገብር። ኮታስ ኣገልገልቲ ኣብ ሓድሕዶም ዘሎ ጽልኢ ንሓድሕዶም ብምንቕቓፍን ብምንእኣስን ብምንሻውን ከውፅእዎ ይረኣዩ። ኣብ ክንዲ እዚ ግና ንሓደ ኣገልጋሊ ናይ ቤተ ክርስቲያን ነቲ ዚሠርሖ 10% ጌጋ ገዲፍካን ሸፊንካን በቲ ዚሠርሖ 90% ጽቡቕ ኪምስገንን ኪምጐስን ኪነኣድን ኪተባባዕን ይግባእ ነይሩ። ነዚ ድማ እዩ ሓዋርያ ቕዱስ ጳውሎስ “ንሓድሕድኩም ብምክብባር እናተቓዳደምኩም፡ ብፍቕሪ ኣሕዋት ንሓድሕድኩም ብለውሃት ተፋቐሩ” ዝበለና /ሮሜ 12:10/።

ከምቲ ጐይታና ዝበሎ “ንሓድሕዳ እተፈላለየት ኵላ መንግሥቲ ትዓኑ፡ ንሓድሕዳ እተፋላለየት ኵላ ኸተማ ወይስ ቤት ድማ ኣይትነብርን እያ”  /ማቴ 12፡25/ ንሓድሕድሕድና ከይንጠፋፋእ ኪንጥንቀቕ ይግብኣና። ቅዱስ ጳውሎስ ሓዋርያ “ንሓድሕድኩም እንተ ተናኸስኩምን ተባላዕኩምን ግና፡ ንሓድሕድኩም ከይትጣፍኡ ተጠንቀቑ” / ዝበላና ድማ ነዚ እዩ ገላትያ 5:15/። ስለዚ ሕጂውን ኣብ ሓድሕድና ምክሳስን ምውንጃልን ገዲፍና ንሓድሕድና ብምክብባርን ብምትብባዕን ብፍቕሪ እንተ ዘየገልጊልና፡ ዕዉት ሥራሕ ኪንዓዪ ከም ዘይንኽእልን ገብርኄር ዝብል መጸውዒ ድማ ከም ዘይንሰምዕን ብምሕሳብ ንፍቕሪ ንተንሥእ። ፍቕሪ ዘይብሉ ኣገልግሎት ግና ኵሉ ከንቱ እዩ። ስለዚ ድማ እዩ ጐይታና ዝበዝኀ ትምህርቱ  ብዛዕባ ፍቕሪ ዝነበረ።

 “ንሓድሕድኩም ክትፋቐሩ፡ ከምቲ ኣነ ዘፍቀርኩኹም፡ ከምኡ ጌርኩም ከኣ ንሓድሕድኩም ክትፋቐሩ፡ ሓድሽ ትእዛዝ እህበኩም አሎኹ” /ዮሐ 13:34/። 

 “ንሓድሕድኩም ፍቕሪ እንተላትኩም፡ በዚ ደቀ መዛሙርተይ ምዃንኩም ኵሉ ኺፈልጥ እዩ” /ወ. ዮሐንስ 13:35/። 

“ከምቲ ኣነ ዘፍቀርኩኹም፡ ነንሓድሕድኩም ክትፋቐሩ፡ ትእዛዘይ እዚ እዩ” /ወ ዮሐንስ 15:12/። 

“ንሓድሕድኩም ክትፋቐሩ፡ እዚ እእዝዘኩም አሎኹ” /ወ. ዮሐንስ 15:17/ ዝብሉ ቃላት ድማ ንምስክር እኹላት እዮም። ንሓድሕድና እንተ ተፋቒርና ኣገልግሎትናውን ንኣምላኽ ብምፍቃር ዝፍጸም ሰባት ዝቕይር ደስ ዘብል ቅቡል ኣገልግሎት ይኸውን።

ፖፕ ሺኖዳ ሣልሳይውን፦ “ኣገልግሎት ብዘይ ፍቕሪ ብዘይመንፈስ ወይ ብዘይ ፍረ ፍልጠት ምትኅልላፍ ኮይኑ ይተርፍ” ብምባል ኣገልግሎትና ብፍቕሪ ደስ ኢሉና ኸነገልግል ደኣ እምበር፡ ከምቲ ኣብ ቤት ኣቡኡ ምግልጋል ከም ባርነት ገይሩ ዝቖጸሮ ውሉድ ኺንከውን ከም ዘይግብኣና ይምዕዱ /ሉቃ 15/።

6/ መንፈሳውያን ኣገልገልቲ ጽቡቕ ኣርኣያ ኪኾኑ ኣለዎም

 ክርስትና ብተግባር ዝፍጸም ሃይማኖት እምበር ናይ ሓሳብ መስመር ኣይኮነን። ክርስቶስ ዝኣዘዘና ትእዛዛት ንሱ ኣቐዲሙ ብተግባር ፈጺምዎም እዩ። ስለዚ ናቱ ኣገልገልቲ ድማ ብቓል ጥራይ ዘይኮነ ንዕኡ ኪመስሉ ይግባእ። ኣንጻር ትምህርቶም ዝነብሩ እንተ ኾይኖም ግና ትምህርቶም ውፅኢት ዘለዎ ኣይከውንን። 

ፖፕ ሺኖዳ ሣልሳይ፦ መንፈሳውያን ኣገልገልቲ ትምህርቲ ዝህቡ ጥራይ ዘይኮኑ ንሳቶም ንባዕሎም ትምህርቲ እዮም። “ጽቡቕ ኣርኣያ ብምዃን ዝስበኽ ስብከት ናይ ጸጥታ ስብከት       ተባሂሉ ይፍለጥ። እቲ ዝሰብኽ ዘረብኦም ዘይኮነ ሕይወቶም እዩ” ብምባል ዝገለጽዎ ድማ እዚ እዩ።

 ቅዱስ ዮሓንስ ኣፈወርቅውን እዚ ዓይነት ስብከት እዚ ምውታን እናተንሣእኻ ካብ ዝግበር ተኣምር ንላዕሊ ንሰባት ናብ ሃይማኖት ኪስሕቦም ከም ዝኽእል ከምዚ እናበለ የረድኣና፦ “ብኽፍኣት ዚሰኸሩ ሰባት፡ ተኣምራት ጌርና ሙታን ኣተንሢእና ካብ ነርእዮም ንላዕሊ፡ ብትሕትናና፡ ብጭዋነትና፡ ብትዕግሥትና፡ ኣዝዮም እዮም ዚማረኹ። ሓደ ምዉት ምትንሣእ እንታይ የደንቕ፧ ኣብ ዳግም ምጽኣት ኵሉ ሰብ ብቕጽበት ዓይኒ  ዝትንሥእዶ ኣይኮነን፧ ሰባት ካብ ብፍቕሪ ንላዕሊ ብዝኾነ ይኹን ካልእ ዓይነት መገዲ ካብ ክፍኣቶም ኪንመልሶም ኣይንኽእልን ኢና። ፍቕሪ ንሰባት ካብ ኣራዊትነቶም ኣውፃኣ ሰባት ከም ዝኾኑ ትገብር ዓባይ መምህር እያ። ስለዚ ብዙኃት በረኸታት ኣብ ልዕሌና ምእንቲ ክፈሱን ነቲ ፈጺሙ ዘይብስብስን ዘይበላሾን ፍሬኦም ኵሉ ጊዜ ምእንቲ ኪንበልዕን፡ ነታ ናይ ኵሉ ሰናይ ተግባር ርእሲ ዝኾነት ፍቕሪ ኣብ ውሻጠ ልብና ንትከላ።

7/ ኣገልገልቲ ዝምህርዎ ትምህርቲ ከም ናይ ተማሃሮ (ሰማዕቲ) ናይ ፍልጠት ደረጃ መጠን ክኸውን ኣለዎ።

መንፈሳውያን ኣገልገልቲ ደረጃ ፍልጠት ናይ ሰማዕቶም ኣቐዲሞም ብምርዳእ፡ ከከም ዓቕሞም ዝኾነ ቓል መሪጾም ኪምህሩ ደኣ ይግባእ እምበር፡ ከም ናይ ባዕሎም ናይ ፍልጠት ደረጃ ጥራይ ኪጓዓዙ የብሎምን። 

ብርሃን ዓለም ሓዋርያ ቕዱስ ጳውሎስ “ከም ምንዋሕ ዘመንስ መምህራን ክትኰኑ እኳ ምተገብኣኩም ነይሩ፡ ነቲ ናይ መጀመርታ ትምህርቲ ቘልዑ ናይ ቃል ኣምላኽ ከም ብሓድሽ ኪምህሩኹም የድልየኩም ኣሎ እሞ ጸባ ደኣ እምበር፡ ዕጹም ብልዒ ኣየድልየኩምን እዩ” ብምባል ንሰብ ዕብራውያን ዚለኣኸሎም መልእኽቲ ድማ ነዚ ዘረድእ እዩ…” /ዕብራውያን 5:12-13/። ስለዚ ንጀመርትን ንማእከላውያንን ነቶም ጽቡቕ ኣፍልጦ ዘለዎምን ፈላልዮም ወይ ንዅላቶም ዝምጥን ትምህርቲ ክህቡ ይግባእ። 

8/ መንፈሳውያን ኣገልገልቲ ትምህርቲ ቅድሚ ምድላዎም ንባዕሎም ይዳለዉ ዮሐ 17፡19 1ጢሞ 4፡16

ፖፕ ሺኖዳ ሕጂውን፦ ትምህርቲ ንምድላው ወይ ንኻልኦት ፍልጠት ንምዕዳል ኢልካ ጥራይ ዘይኮነ ስለ መንፈሳውነትካ ክትብል ኣንብብ።

ጐይታና ንሰማርያን ንዓለም ምሉእን ወንጌል ቅድሚ ምስባኽና ንኢዮርሳሌም ቅድም ክንሰብኽ ዝኣዘዘና፡ መምህራን ቅድሚ ንኻልእ ኢሎም ምድላዎም ንነብሶም ከዳለዉን ክምህሩን ከም ዘለዎም ንምርዳእ እዩ። ኢዮርሳሌም ኣብ ውሽጥና ናይ ዘላ ናይ ልብና ከተማ እያ” ብምባል ይመኽሩና።

9/ መንፈሳውያን ኣገልገልቲ ንነብሶም ነዘን ዝስዕባ 3 ሕቶታት ክሓቱ ይግባእ።

1. ብዛዕባ ናይ ኣገልግሎቶም መንፈሳውነት
2. ብዛዕባ ሕይወቶም መንፈሳውነት
3. ብዛዕባ ደቆም (ምእመናን) መንፈሳውነት

10/ . ኣገልግሎት ቅድሚ ምጅማርካ ካብ ልብኻ ጸሊ

11/ መንፈሳውያን ኣገልገልቲ ናይ ምምሃርን ምግልጋልን ትርጉም ፈላልዮም ኪፈልጡ ይግባእ።
 ምምሃር ፍልጠት ናብ ናይ ሰማዕቲ ሕልና ምኅላፍ ማለት እዩ፡ ኣገልግሎት ግና መንፈሳዊ ሰብ ኴንካ ነፍሳት ናብ ናይ እግዚአብሔር ምትኅልላፍ ማለት እዩ።
12/ መንፈሳውያን ኣገልገልቲ ንሳቶም ንባዕሎም ተማሃሮ ምዃኖም ኪፈልጡ ይግባእ።

ፖፕ ሺኖዳ፦ መንፈሳውያን ኣገልገልቲ ከም ተማሃራዮም እዮም ዝነብሩ። ልክዕ ከምቲ ንሳቶም ንተማሃሮኦም ዝህብዎ ሓድሽ ትምህርቲ፡ ንሳቶም ውን ካብ እግዚአብሔር ሓድሽ ትምህርቲ እናተማህሩን እናተላመዱን ይኸዱ” ይብሉ። 

 ቅዱስ ኣውግስጢን “ኣነ ናይዚኦም መምህር እየ ኣባኻ ግን ተማሃሪ እየ ኣነ ናታቶም ጓሳ እኳ እንተ ኾንኩ ንዓኻ ግን ሓደ ካብተን ኣባጊዕ እየ” ይብል።

13/ መንፈሳውያን ኣገልገልቲ ነቶም ምሳኦም ዝውዕሉ ዝነብሩን ሰባት በረኸት እዮም። ዘፍ 12፡2-3 ኤልያስ ኣብ ቤት እታ መበለት ዮሴፍ ኣብ ግብጺ ኖህ ብኡኡ ምኽንያት ዓለም ስለ ዝተሓለወት ንኹሉ ዓለም በረኸት ነበሩ።

14/ . ንሰባት ከከም ደረጃ ናይ መንፈሳዊ ሕይወት ምምራሕ ዮሐ 16፡2 1ቆሮ 3፡2 ግ.ሐ 15፡10

መንፈሳውያን ኣገልገልቲ ነፍሳት ቀልጢፈን ብዘይ ምቕያረን ተስፋ ኪቖርጹ የብሎምን

 ቅዱስ ዮሓንስ ኣፈወርቅ “ኣብ ማኅፀን ዘሎ ዕሸል ቅድሚ ምውላዱ ብዙኅ ኣዋርኅ ከም ዘድልዮ ንሕና ውን መንፈሳዊ ዕሸል ብዘይ ጊዜኡ ንኽውለድ ዘይኮነስ ብዝግባእ ክሳብ ዝዓቢ ትዕግሥተኛታት ክንከውን ኣለና” ብምባል ኣገልገልቲ ምእመናን ቀልጢፎም ቃል ኣምላኽ ሰሚዖም ሕይወቶም ዘይምልዋጡ ተስፋ ከቑርጾም ከም ዘይብሉ ይመክር። 

17/ መንፈሳውያን ኣገልገልቲ ካብ ውዳሴ ኸንቱ ኪሕለዉ ይግባእ

 ቅድስት እማሆይ ሰንቀሌጣ ከምዚ በለት “ምህላዉ ዝተረጋገጸ ገንዘብ እናጐደሎን እና ተወድአን ይኸይድ፡ ከምኡ ድማ ሠናይ ምግባር ኣብ ቅድሚ ሰባት እንተ ተፈልጠን እንተ ተገልጸን ኣብ ቅድሚ ሓዊ ቀሪቡ ከም ዝመክኽ ሽምዓ ይመክኽ። ነፍሲ ውን ኣብ ቅድሚ ሰባት ዝተመስገነት እንተ ኾይና ትደክም ኃይላ ድማ ይጠፍእ ይብላና።

መንፈሳውያን ኣገልገልቲ ጸርፍን ሓሜትን ውርደትን ነቐፌታን ደኣ እምበር  ስለ ብርቱዕ ጻዕርናን ጽፉፍ ሥራሕናን ምስጋና ክንጽበ ኣይግበኣናን። ጐይታና ንደቀ መዛሙርቱ “እንሆ፡ ከም ኣባጊዕ ናብ ማእከል ተዃሉ እሰደኩም አሎኹ። ደጊም ጠቢባን ከም ተመን፡ ገርህታት ከኣ ከም ርግቢ ኹኑ..ናብ ዋዕላ ኺወስድኹም፡ ኣብ ቤት ጸሎቶም ድማ ኪገርፍኹም እዮም፡...ስለ ስመይ ከኣ ኵሉ ሰብ ኪጸልኣኩም እዩ። እቲ ኽሳዕ መወዳእታ ዚዕገስ፡ ንሱ ኺድሕን እዩ” /ማቴ 10፡16-22/ ብምባል ካብ ሰባት ኣገልግሎት መከራን ጸርፍን መግረፍትን ሞትን ከም ዘስዕብ ደኣ እምበር ውዳሴን ምስጋናን ከም ዘስዕብ ኣይመሃረን። ስለዚ   ሰለ ዝተመዘዝካ ወይ ድማ ሰብ ብሥራሕካ ክንእዱኻ ኢልካ ዘይኮነ ብኣገልግሎትካ በረኸት ከም እትሓፍስ ካብ ልብኻ እመን። ብጸርፍን ብመግረፍትን ብሞትን በረኸት ከም ትሓፍስ እመን

 ቅዱስ ዮሓንስ ኣፈወርቅ፦ ሓደ ኣገልጋሊ “ሥርሑ ጽቡቕ ከም ዝኾነ ንዝገልጹ መግለጺታት ኪነቅፍ የብሉን፡ እንተ ኾነ ግና ዋላ ሓንቲ ዋጋ ክህቦምን ብውሽጡ ኪቕበሎምን ኣይግባእን። ድኂሮም እዞም ንጽቡቕ ሥርሑ ዚገልጹ ዚነበሩ ውዳሴታትን ጽቡቓት ቃላትን እንተ ተረፉዎ ኪጭነቕን ኣብ ዕላማኡ ኪጠራጠር ወይ ዕላማኡ ኪልውጥ ኣይግባእን ይብል።

No comments:

Post a Comment