bieteelyas.blogspot.com ቤተ ኤልያስ

Friday 30 December 2016

ወርኃዊ ፅጌያት ርኽሰት ድዩ? 2ይ ክፋል

ስለምንታይ ናብ ቤተ መቕደስ ዘይኣትዋ

ወርኃዊ ፅጌያት ርኽሰት ከምዘይኮነ ኣብ ላዕሊ ብዝግባእ ተገሊጹ እዩ። እሞ’ኸ ስለ ምንታይ ደኣ እዩ ኣብዚ ጊዜ ደቂ ኣንስትዮ ናብ ቤተ መቕደስ ንኸይኣትዋ ሥርዓት ዚተሠርዐ? ነዚ ሕቶ መልሲ ክኾኑ ዝኽእሉ ቀንዲ ቀንዲ ነጥብታት ካብዚ ስዒቦም ተዘርዚሮም ኣለዉ።

1. ኣብ ጊዜ ወርኃዊ ፅጌያት ድኻምን ዚተፈላለዩ ናይ  ሕማም ስምዒታትን ይኽሰቱ እዮም። ቤተ ክርስቲያን ድማ ናብዝን ናብትን ከይበልካ ከየዕለበጥካን ጸጥ ኢልካ ከተቐድስን መንፈሳዊ ጸሎት ከተብጽሕን ከም ዘለካ ዘረድእ ሥርዓት ኣለዋ። እንተ ኾነ ግና  ኣብ ጊዜ ወርኃዊ ፅጌያት ዘለዋ ደቂ ኣንስትዮ ብዝስምዐን ሕማም ምኽንያት ድንን ቅንዕ እናበላ ከዕለብጣ ናይ ካልእ ሰብ ጸሎት ንኸየሰናኽላ ንርእሲአን ውን እቲ ኣብዚ ጊዜ እዚ ክረኽብኦ ዝግበአን ዕረፍትን ምቾትን ንኸይስእና ብምባል ኣብ ቤተ መቕደስ ንኸይኣትዋ ይኽልከላ። ኣብ ከምዚ ዓይነት ናይ ሕማም ስምዒት ኴንካ ሕሊናኻ ጠርኒፍካ ብዝተረጋግአ መንፈስ ምጽላይ ብጣዕሚ ኣሸጋሪ እዩ። ብርግጽ ኣብ ጊዜ ወርኃዊ ፅጌያት ሕማም ዘይስምዐን ደቂ ኣንስትዮ እኳ እንተ ሃለዋ፡ ሥርዓት ኪሥራዕ ከሎ ግና  ንዝበዝኀ ኣብ ግምት ብምእታው ከም ዝኾነ ኪዝንጋዕ የብሉን። ስለዚ ኣብ ወርኃዊ ፅጌያት ዘለዋ ደቂ ኣንስትዮ ብምኽንያት እቲ ዝስምዐን ሕማም ተረጋጊአን ክጽልያ ኬቐድሳ ዘይክእላ እንተኾይነን ንምንታይ ናብ ቤተ መቕደስ ይኣትዋ? ምኽንያቱ ቤተ ክርስቲያን ናይ ጸሎትን ንዑኡ ዝኣመሰለ መንፈሳዊ ተግባራትን መፈጸሚት ቦታ ደኣ እምበር ካልእ ዕላማ የብላን።

2. ወርኃዊ ፅጌያት ዋላ እኳ ርኽሰት እንተዘይኮነ ርስሓት ምዃኑ ግና  ኣብ ላዕሊ ተገሊጹ ኣሎ።  ስለዚ ኣብ ጊዜ ወርኃዊ ፅጌያት ናብ ቤተ መቕደስ ምእታው ነውርን ኣጸያፍን ነገር ኂዝካ ከም ምእታው እዩ ዝቑጸር። ኣብ ቤተ ክርስቲያን ጡፍ ምባል ነውሪ ከም ዝኾነ ወርኃዊ ፅጌያትውን ከምኡ እዩ። እዚ ድማ ምስቲ ናይ ደቂ ተባዕትዮ ሕልመ ሌሊት ሓደ እዩ። ስለዚ ዝኾነ ሰብ ናብ ቤተ እግዚኣብሔር ክኸይድ እንከሎ ካብ ሥጋዊ ርስሓትውን ነጺሑ ክኸይድ ኣለዎ።ዘፍ 19፡14።

3. መቕደሰይ ፍርሁ ብምባል እግዚአብሔር ኣምላኽና መቕደሱ ክንፈርሕ ኣዚዝና እዩ። ምኽንያቱ መቕደሱ ምኽባርን ምፍራህን ንዕኡ ምኽባር ስለ ዝኾነ። ዘሌ 26፡2 ቅዱስ ዳዊትውን “ንዓኻ ብምፍራህ ኣብ ቅዱስ መቕደስካ እሰግድ” ብምባል ኣብ ቤተ መቕደስ ምፍራህ ከም ዘድሊ ገሊጽዎ ኣሎ። መዝ 5፡7 ሕግና  ሥርዓትን እንተዘየለ ኣኽብሮትን ፍርሃትን ኣይህሉን እዩ። ሕጊ እንተሎ ግና  ፍርሃትውን ኣሎ ማለት እዩ። ወርኃዊ ፅጌያት ዝኣመሰሉ ናብ ቤተ መቕደስ ካብ ምእታው ዝእግዱ ሥርዓታት ውን፡ ቤተ መቕደስ በዓልቲ ሕግን  ናይ እግዚኣብሔር መንበርን ምዃና ብምርዳእ ፍርሃተ እግዚኣብሔር ኣብ ልቢ ደቂ ሰባት ከም ዚሠዓል ይገብሩ።

  ቤተ መቕደስ ከም ዝደለይዎ ዝኣትውዋን ዚወፁላን ኔራ እንተትኸውን ቀሊላን ተናዒቓን ምተረፈት። ከምዚ ብዘይ ምዃኙ ግና  ክሳዕ  ሕጂ ግርማ ተጐናጺፋ ትርከብ ኣላ። ኣብ ጊዜ ወርኃዊ ፅጌያትን ሕልመ ሌሊት ኣብ ዝረኣየኩም እዋንን ቤተ መቕደስ ኣይትእተዉ ጫማኹም ኣውፅኡ ናይ ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ካህናትን ቦታ ፈሊጥኩም ቁሙ ኣይትስሓቑ ተራ ዝኾነ ወረ ኣይተውርዩ ዝብሉ ትእዛዝ ፍርሃት ኣየኅድሩልናን ድዮም? ቤተ ክርስቲያን ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ትእዛዛትን ሥርዓታትን እንተዘይህልዋ ነይሩ ከምዞም ሕጂ እንርእዮም ናይ መናፍቓን ኣዳራሽ ምኾነት ነይራ።
4. ኣብ መብዘኅትና ክርሰቲያን መንፈሳዊ ሕይወት ብስምዒትን ብልማድን ይሥራሕ እዩ። ብኸምዚ ዓይነት ዝሥራሕ ሥራሕ ኣእምሮ ብዘይ ፍረ ከም ዝተርፍ ይገብር። ልማድን ስምዒትን ብምስትውዓል ናብ ተግባር ክቕየሩ ኣለዎም እምበር ብልማድነቶም ምስ ዝቕጽሉ ዓቢይ ጕደኣት እዩ ዘለዎም። ሓደ ሓደ ጊዜ ካበይ ከም ዝጀመርናን ኣበይ ከም እንፍጽምን ከየስተውዓልና ብልማድ ጥራይ እንጽልየሉ ጊዜ ኣሎ። ካልእ ድማ ካብ ልማድ ዝተላዕለ ናይ ዝኾነ ናይ እምነት ትካላትን ኣብያተ ትምህርትን ዓቢይ ኣፍ ደገ ምስ እንርኢ ከም ቤተ ክርስቲያን ቆጺርና ኣማዕቲብና እንኃልፈሉ ጊዜ ኣሎ። እዚ ድማ ካብ ልቢ ዘይኮነ ብልምዲ ምኽንያት ዘጥረና  እዩ።

  ኣብ ጊዜ ወርኃዊ ፅጌያትን ካልኦት ኣጋጣሚታትን ናብ ቤተ ክርስቲያን ከይንኣቱ ምኽልካልና ካብ ልማድ ወፂና ብኣእምሮ ከም እንመላለስ ዝገብረና ኃጋዚ መገዲ እዩ። መዓስ ንኣቱ መዓስ ከ ኣይንኣቱን ንምንታ‘ከ ዘይንኣቱ ምሕሳብ ርእስኻ ንምምርማር ዝኅግዝ መገዲ እዩ።

  ብልማድ ቤተ ክርስቲያን ዝመላለሱ ሰባት ቤተ እግዚአብሔር ዘይምኻድ እንተተለማሚዶም ዎ ውን ብኡ ገይሮም እዮም ዝጠፍኡ። ምኽንያቱ ልማድ ብልማድ እዩ ዝሰዓር። ንምንታይ ከም ዝመላለሱ ምኽንያቱን  ጥቕሙን እናስተውዓሉ ካብ ልማድ ወፂኦም ብምስትውዓል ዝመላለሱ ሰባት ግና  “ከምታ ኣብ ቤት ኣምላኽ እትዓቢ ልምዕቲ ኣውሊዕ ዘይቲ” እዮም ዝኾኑ። መዝ 52፡8
  ናብ ቤት መቕደስ ንኸይንኣቱ ዝተኸልከልናሎም ጊዜያትን ኩነታትን፡ ከም ወልፊ ብልማድ ጥራይ ናብ ቤተ እግዚአብሔር ንኸይንመላለስ ይኅግዙና። ብኣንጻሩ ግና  ብምስትውዓል ከም ንመላለስ ይገብሩና። እንተኸድና እንረኽቦ  ጥቕሚ እንተዘይከድና ድማ ዝጐድለና ጸጋ ከም ዘሎ ዓይንና ከፊቶም ዘርኡይና እዞም ጸጋታት እዚኣቶም እዮም።

5. ኣዴና ሔዋን ደመ ዕፀ በለስ ብምብላዓ ጥራይ ካብ ገነት ተባረረት። ደማ ወርኂ ወርኂ ከም ዝፈስስ ድማ ተፈሪድዋ። እንተ ኾነ ግና  ካብ ዘርኣ ካብ ዚተረኽበት ካብ ድንግል ማርያም ዚተወልደ ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ መስቀል ተሰቒሉ ደሙ ብምፍሳስ መርገሙ ተወገደ። ሎሚ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ጊዜ ወርኃዊ ፅጌያት ናብ ቤተ መቕደስ ምእታው እንተተኸልከላ  ኸኣ ዝቐደመ ታሪኸን እዩ ዜዘኻኽረን። ነብሰን ብምውቃስ ድማ ትሑታት ይኾና። ተመሊሰን ናብ ገነት ንኽኣትዋ ብፈጣሪአን ዚተገብረለን ውዕለታት ብምስተውዓል ፈጣሪአን የመስግና። ስለዚ ኣብ ጊዜ ወርኃዊ ፅጌያት ናብ ቤተ መቕደስ ከይኣትዋ ምኽልካል ንዝኃለፈ ዘመንን ብጐይታ ዝተገብረ ውዕለታትን እናዘከርካ ብንስሓን ብምስጋናን ንኽትነብር ይኅግዝ ማለት እዩ።

6. ቤተ መቕደስ ናይ ገነት ምሳሌ እያ። ኣዴና ሔዋን ንሾብዓተ ዓመታት ዝኣክል ኣብ ገነት ኪትነብር እንከላ ደመ ጽጌ ኣይረኣያን እዩ ነይሩ። ስለዚ ቤተ መቕደስ ናይ ገነት ምሳሌ ምዃና ዝተማልአ ንኽኸውን ጓል ኣንስተይቲ ኣብ ጊዜ ወርኃዊ ፅጌያት ቤተ መቕደስ ክትኣቱ የብላን።

7. ቤተ ክርስቲያን ብናይ ክርስቶስ ደም ዚተመሥረተት እያ። ኣብ ውሽጣ ክፈስስ ዝግብኦ ድማ እቲ ብደሙ ዝሓጸባ ናይ ክርስቶስ ደም እዩ። ስለዚ በብመዓልቱ ብኢድ ኣቦታት ብካህናት ሥጋኡ ይፍተት ደሙ ድማ ይቕዳሕ። ምእመናን ድማ ካብዚ ምሥጢር ብኣግባቡ ብምስታፍ ሥርየተ ኃጢኣት ሕይወተ ነፍስ ይረኽቡ። ነዚ ምሥጢር ንምሕላው ተባሂሉ ናይ ፍጡር ደም ኣብ ቤተ ክርስቲያን ኪፈስስ የብሉን። ዝኾነ ሰብ ብዝኾነ ምኽንያት ኣብ ቤተ ክርስቲያን ደም ምስ ዝወፅእ ደሙ ኣብ ቤተ እግዚአብሔር ንኸይነጥብ ክጥንቀቕን ካብ ቤተ ክርስቲያን ኪወፅእን ይግብኦ። ደቂ ኣንስትዮ ውን ኣብ ጊዜ ወርኃዊ ፅጌያት ቤተ መቕደስ ካብ ምእታው ክጥንቀቓ ይግብአን።

Thursday 29 December 2016

ወርኃዊ ፅጌያት ርኽሰት ድዩ? 1ይ ክፋል

 ምንጩን መበገሲኡን  እኳ ፍሉጥ እንተዘይኮነ ሓደ ሓደ ደቂ ኣንስትዮ ወርኃዊ ፅጌያት ኣብ ዝመጸን ጊዜ መስቀልን ወንጌልን ካልኦት ቅዱሳት መጻሕፍትን ከሳልምወን ምስ መጹ “ርኽስቲ እየ” ኣይተሳልሙኒ ክብላ ይስምዓ እየን። ካልኦት ድማ ደመ ጽጌ ኣብ ዝተረኣየለን ጊዜ ካብ ጸሎት ቅዱሳት መጻሕፍቲ ካብ ምንባብ ብጠቕላላ ንጽድቂ ዝኸውን መንፈሳዊ   ሥራሕ ከይተረፈ ዝኽልከላ ኣለዋ። ወርኃዊ ፅጌያት ግና  ብርግጽ ርኽሰት ድዩ? ርኽስቲ ከብል ከ ይኽእልዶ?

 ብርግጽ ኣብ ዘመነ ኦሪት ወርኃዊ ፅጌያት ናይ ርኽሰትን መርገምን ምልክት እዩ ነይሩ። መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ዘመነ ኦሪት ኣብ ወርኃዊ ፅጌያት ዘላ  ንምጥቃስ “ብጻግኔኣ ረኺሳ እንከላ” እንዳበለ እዩ ዝጽዋዓ።
  
እዚ ዝዀነሉ ምኽንያት ወርኃዊ ፅጌያት ዚተኸስተሉ ሔዋን ደመ ዕፀ በለስ ብምፍሳሳ ምኽንያት እግዚአብሔር “ወበከመ አድመውኪያ ለዛቲ ዕፅ ከማሁ ድምዊ ለለወርኁ” ኢሉ ድኅሪ ምርጋሙ ብምኽሳቱ እዩ። ትርጉሙ “ናይዛ በለስ ደም ከም ዘፍሰስኪ ደምኪ ድማ ከምኡ ወርኂ ወርኂ ይፍሰስ” ማለት እዩ።

 ይኹን እምበር ዚረኸሰ ዚተቐደሰሉ ዚተረግመ ኣብ ዚተባረኸሉ ኣብዚ ዘመነ ሓድሽ ኪዳን ወርኃዊ ፅጌያት ርኽሰት እዩ ዝብል ሓሳብ ክሕሰብ የብሉን። ወርኃዊ ፅጌያት ርኽሰት ምዃኑ ተሪፉ እዩ። ርኽስቲ ድማ ኣየብላን እዩ። ኣብዚ ዘለናዮ ዘመን ዘመነ ሓድሽ ኪዳን ወርኃዊ ፅጌያት ርኽሰት እዩ ምባል ከቢድ ኃጢኣት ኣብ ርእሲ ምዃኑ ካብኡ ኃሊፉውን ክሕደት እዩ። ኣብ ሓድሽ ኪዳን ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ብዝፈጸሞ ቤዛነት ርኽሰቱ ተወጊዱ እዩ።

 ሓደ ክዝንጋዕ ዘይብሉ ነገር ግና ወርኃዊ ፅጌያት ርኽሰት እኳ እንተ ዘይኮነ ርስሓት እዩ። ርስሓትን ርኽሰትን ድማ ዓቢ ፍልልይ እዩ ዘለዎም። ርኽሰት ውሽጣዊ እዩ ብንስሓ እምበር ብማይ ኣይጸርን እዩ። ርስሓት ግና  ብማይ ተሓጺቡ ዝጸሪ ኣፍኣዊ ወይ ድማ ግዳማዊ እዩ። ስለዚ ወርኃዊ ፅጌያት ርስሓት እዩ ክበሃል ከሎ ከምቶም ብማይ ተሓጺቦም ዝጸርዩ ማንም ኣብ ኣካላትና ዘለዉ ርስሓት ማለት እዩ።

 ወርኃዊ ፅጌያት ኣብ ውሽጢ ባህሪ ደቂ ኣንስትዮ እንከሎ ከም ርስሓት ኣይቊጸርን።፡ካብ ሰብነት ኪወፅእ ከሎ ግና  ይቚጸር። ንኣብነት ንፋጥ ሽንቲ ቀልቀል ርሃጽ እዚኣቶም  ኵላቶም ኣብ ውሽጢ ባህሪና እንከለዉ ጠቐምትን ኣድለይትን እዮም ኔሮም። ካብ ሰብነትና ኪወፁ  ኸለዉ ግና  ከም ርስሓት ይቚጸሩ። ወርኃዊ ፅጌያት ድማ ከምኡ እዩ። ሽንቲ ካብ ኣካላትና ምስ ወፀ ርስሓት እዩ ወርኃዊ ፅጌያት ድማ ልክዕ ከምኡ።

 በዚ ምኽንያት ወርኃዊ ፅጌያት ርኽሰት ብዘይ ምዃኑ መስቀል ካብ ምስላም ካብ ምጽላይ ቅድሳት መጻሕፍቲ ካብ ምንባብን ምድጋምን ኣይክልክለናን እዩ። ይኽልክል እምበር ዝብል እንተሎ፡ ካብ ኣቡነ ዘበሰማያት ጀሚሩ ሰላመ ለኪን ካልኦት ዓይነት ጸሎታትን ዝደግማ ምእመናን ቊጽረን ውሑድ ኣይኮነን። ኣብ ጊዜ ወርኃዊ ፅጌያት ቅድሳት መጻሕፍቲ ምንባብ እንተ ተኸልኪሉ ብቓላተን ዚኃዝኦ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ቃል እንታይ ኪገብርኦ እየን? ነቲ ወረቐትን ብራናን ዘኽብሮ’ኸ እቲ ቕዱስ ቃሉዶ ኣይኮነን እዩ? ነቲ ቕዱስ ቃል ብልበን ኂዘን እንከለዋ መጽሓፍ ኣይትኃዛ ኣይተንብባ ምባል’ሲ ግብዝነትዶ ኣይኮነናን? ኣየናይ ይበልጽ? ወረቐትን ብራናን ድዩ ዋላስ ነቲ ወረቐትን ብራናን ዘኽብረሮ ቅዱስ ቃሉ?  ብራና ይኹን ወረቐት ከይትንክያን ከየንብባን ዝኽልከላ እንተ ኾይነን ቅዱስ ቃል ብቓለን ንኸይኅዛን ንኸይደግማን ምኽልካልውን መድለየ  ነይሩ። እንተ ተፈቒድለን ግና  መጽሓፍ ካብ ምንባብን ካብ ምድጋምን ዝኽልክለን  ደኣ መን እዩ? ስለዚ ኣብ ጊዜ ወርኃዊ ፅጌያት ዘለዋ ደቂ ኣንስትዮ ነዞም ነገራት ካብ ምፍጻም ዝኽልክለን  የብለንን ።

 ኣብ ላዕሊ ንዝተጠቕሰ ሓሳብ መጽሓፍ ቅዱስ በዚ ዝቕጽል ኣገላልጻ ኬጽንዖ ኢና ንርኢ “ኣቱም ብቤተ መቕደስ ዝምሕል ደኃን እዩ፡ ብወርቂ ቤት መቕደስ ዝምሕል ግና ማሕላ ይኹኖ እትብሉ ዕውራት መራሕቲ ወይልኹም። ኣቱም ዓዋናትን ዕዉራትን መራሕቲ ኣየናይ  ይዓቢ ወርቂ ዶ ወይስ እቲ ንወርቂ ዝቕድሶ ቤት መቕደስ? ብመሰሠውዒ ዝምሕል ደኃን እዩ እቲ በቲ ኣብ ልዕሊኡ ዘሎ መሥዋዕቲ ዝምሕል ግና ማሓላ ይዅኖ ትብሉ፡ ኣቱም ዓዋናትን ዕዉራትን ኣየናይ ይዓቢ? መሥዋዕቲ ዶ ወይስ እቲ ንመሥዋዕቲ ዝቕድሶ መሠውዒ?፡ ምበኣርከስ እቲ ብመሠውዒ ዝምሕል ብኡኡን ኣብኡ ብዘሎ ብምሉኡን  ይምሕል።፡ እቲ ብቤት መቕደስ ዝምሕል ድማ ብኡኡን በቲ ኣብኡ ዝነብርን በቲ ኣብኡ ዝነብርን  ይምሕል እቲ ብሰማይ ዝምሕል ድማ ብዝፋን ኣምላኽን በቲ ኣብኡ ዝነብርን ይምሕል” ማቴ 23፡16-22

ኣብ ጊዜ ወርኃዊ ፅጌያት ካብ ምንታይ ክንክልከል ይግባእ?

1. ካብ ሥጋዊ ርክብ

ወርኃዊ ፅጌያት ዝረኣየላ ሰበይቲ በዓልቲ ሓዳር እንተኾነት በዚ ጊዜ እዚ ምስ ሰብኣያ ርክብ ክትፍጽም መንፈሳዊ ሕጊ ኣይፈቕደላን እዩ። ናይ ሕክምና ሰብ ሞያውን እንተኾኑ ኣብ ጊዜ ወርኃዊ ፅጌያት ዝፍጸም ርክብ ኣብ መብዛኅትኡ ኣባለ ዘርእ ንዝተፈላለዩ ተላገብቲ ሕማማትን ንረኽሲ (Infection) ብቐሊሉ ዘጋልጽ ምቹእ ኩነታት ከም ዝፈጥር ይዛረቡ እዮም።

 ብመንፈሳዊ ትምህርቲ ምስ እንምልከቶ ድማ ዘርኢ ወዲ ሰብ ክቡር እዩ። ስለዚ ጓል ኣንስተይቲ ኣብ ጊዜ ወርኃዊ ፅጌያታ ሥጋዊ ርክብ ምፍጻም ረሳሕ ደም ምስ ንጹሕ ዘርኢ ምውሃድ ስለ ዝኸውን ከቢድ ኃጢኣት እዩ።

  መጽሓፍ ቅዱስ ጓል ኣንስተይቲ ካብ ፅጌያታ ከይነጽሐት ዝፍጸም ርክብ ክኽልክል እንከሎ ከምዚ ይብል “ሰበይቲ ብጻግኔኣ ረኺሳ እንከላ ብግብረ ሥጋ ኣይትራኸባ” ዘሌ 18፡19። ነዚ ሕጊ እዚ ጥሒሱ ኃጢኣት ዝሰርሕ ሰብ ዝወርዶ ቅጽዓት ክገልጽ ከሎ ድማ “ሰብ ጻግነ ምስ ዝኾነት ሰበይቲ እንተደቀሰ ብግብረ ሥጋ ድማ እንተ ተራኸባ እዚ ነውሪ እዩ እሞ ኣብ ቅድሚ ሕዝቢ ይቀተሉ” ዘሌ 20፡18

 ወርኃዊ ፅጌያት ኣብ ዘመነ ሓድሽ ኪዳን ዋላ እኳ ርኽሰት ስለ ዘይኮነ ኣብዚ ጊዜ ርክብ ዝፍጽሙ ሰባት ከም ናይ ኦሪት ሕጊ ብእምኒ ተቐጥቂጦም ብሓዊ ተቓጺሎም ከም ዝጠፍኡ እንተ ዘይተገብረ፡ ሥርዓተ ቤተ ክርስቲያን ብምጥሓሶም ብመንፈሳዊ ቅጽዓት (ብቀኖና) ምቕጻዖም ዘይተርፍ እዩ። ምኽንያቱ ኣብ ጊዜ ወርኃዊ ፅጌያት ዝፍጸም ርክብ ኣብ ሓድሽ ኪዳን ውን ክልኩል ስለ ዝኾነ። ፍትሓ ነገሥት ውን ነዚ ናይ ሙሴ ቃል ብምጥቃስ ከምዚ እናበለ ይእዝዘና እዩ “ኢታርስሖን ለመዋዕልት ቅዱሳት እንተ ጾም በመዋእለ ትክቶሃ ወሕርሳ ኢትቅረባ ከመ ኢይኩን ተዉስቦትከ ዘእንበለ ሕግ ተዘከር ዘኣዘዘከ እግዚኣብሔር በኣፈ ሙሴ እንዘ ይብል ንግሮሙ ለደቂቀ እስራኤል ወበሎሙ ለእመ ቀርበ ፩ዱ ሃበ ብእሲት ትክተ ይሰረዉ ወይሙቱ ዘእንበለ ወልድ እስመ እሙንቱ ኢያክበሩ ኣመ ወደዩ ዘርአ ንጹሐ ውስተ ደመ ትክቶሃ ወበእንተ ዝንቱ ግብር ኣዘዙ ይሙት ብእሲ ዘእንበለ ወልድ” (ፍት፡ነገ 24፡922)። ትርጉም “ዝተቐደሳ ናይ ጾም ኣዋርሕ ኣይተርስሕወን፡ ኣብ ግዜ ሕርሳን ወርኃዊ ፅጌያትን ኣይትራኸብ። መርዓኻ ብዘይ ሕጊ ንኸይከውን እግዚኣብሔር ንሙሴ ከምዚ ኢሉ ዝኣዘዞ ዘክር ሰብ ከኣ ምስ በዓልቲ ጻግነ ሰበይቲ እንተደቀሰ ሕፍረታ ውን እንተቐልዐ፡ ፈልፋሊኣ ቐልዐ ንሳ’ውን ፈልፋሊ ደማ ቐልዐት ስለዚ ክልቲኦም ካብ ማእከል ህዝቦም ይመንቆሱ” (ዘሌ 20፡18)።

2. ካብ ጥምቀት

ሓዋርያ ቅዱስ ጴጥሮስ “ጥምቀት ከኣ እቲ ብትንሣኤ ኢየሱስ ክርስቶስ ብንጹሕ ሕሊና ናብ ኣምላኽ ዝቐርብ ጸሎት እዩ እምበር፡ ናይ ሰብነት ርስሓት ዝሓጽብ ኣይኮነን” ከም ዝበለና 1ይ ጴጥ 3፡21። ጥምቀት ሥጋዊ ርስሓት መጽረይ ስለ ዘይኮነ ቅድሚ ምጥማቐን ካብ ሥጋዊ ርስሓት ተሓጺበን ጸርየን ድኅሪ ምድላው ክጥመቓ ይግባእ እምበር ምስ ሥጋዊ ርስሓት ምጥማቕ ግቡእ ኣይኮነን። ምኽንያቱ ናይ ሥጋ ንጽሕና ንናይ ነፍሲ ንጽሕና ንንስሓ ናይ ምድላው ምልክት (ምሳሌ) ስለ ዝኾነ።

ከምዚ ካብ ኮነ  ወርኃዊ ፅጌያት ድማ በቲ ኣቐዲምና ዝገልጽናዮ መሠረት ናይ ሥጋ ርስሓት ስለ ዝኾነ ኣብ ጊዜ ወርኃዊ ፅጌያት ምጥማቕ ክልኩል እዩ። ፍትሓ ነገሥት መንፈሳዊ ውን “ሓንቲ እትጥመቕ ጓል ኣንስተይቲ ኣብ እትጥመቐሉ ጊዜ ወርኃዊ ፅጌያት ምስ ዝመጻ ክሳዕ ትነጽሕ  ትጽናሕ” ብምባል ይእዝዘና እዩ ፍት.ነገሥት 20፤31

 ብርግጽ እዚ ኣብ ላዕሊ ሰፊሩ ዘሎ ቃል ናይ ፍት.ነገ ዘመልክተና ነተን ዓቕሚ ሔዋን በጺሐን ደኃር ክርስትን ንምጥማቕ ዝመጻ ንዑሰ ክርስቲያን  ዝተነግረ ቃል እዩ። ብሓፈሻ ግና  እዚ ጥቕሲ ንማንም ክርስቲያን ካብ ሕማሙ ንምፍዋስ ኮነ ንበረኸት በብ ጊዜኡ ማየ ጸሎት ንዝሕጸባ ክርስቲያን ውን ክጥቀስ ይኽእል እዩ። ምኽንያቱ ኣብ ጊዜ ወርኃዊ ፅጌያት ምጥማቕ ዝተኸልከለሉ ምኽንያት ንዝኾነ ዓይነት ናይ ጥምቀትውን እንተኾነ ምሥጢሩ ሓደ እዩ።

  ሐደ ሓደ ጊዜ ብጽኑዕ ዝሓመማ ሰባት ብጸበል ንምፍዋስ ክከታተላ ኪጅምሩ እንከለዋ ዚተፈላለየ ፈተናታት የጋጥመን እዩ። ካብ ፈተናታተን ሓደ ድማ ደቂ ኣንስትዮ እቲ ኣብ ወወርኂ ዝነበረ ወርኃዊ ፅጌያት ወርኂ ኣብ ዘይመልእ ጊዜ ወይ ብዘይ ምቁራጽ ምርኣዩ እዩ።

ነዚ ዝመስል ፈተና ክኽሰት እንከሎ ምስ ሰይጣን ምትህልላኽን ትም ኢለ እንተ ተጠመቕኩ እንታይ ኣለዎ? ምባልን ዕሽነት እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ “ነቲ ኽፉእ ብጽቡቕ ሰዓርዎ እምበር፡ ነቲ ኽፉእ ብኽፉእ ብኽፉእ ኣይትስዓርዎ” ስለ ዝብለና ሮሜ 12፡21። ስለዚ ሥርዓት እናፍረስካ ንሰይጣን ክትስዕር ዘይምፍታን ጽቡቕ እዩ። ሰይጣን ጸበል ብምጥማቕ ጥራይ ዘይኮነ፡ ሥርዓት ብምኽባርን ብምእዛዝን ውን ይሰዓር እዩ። “ዘለኒ ዕድል ምጥማቕ ጥራይ እዩ” ምባል ግና  ብዘይ ጸበል ሰይጣን ዝሰዓረሉ መገዲ የለን ከም ማለት እዩ ዝቑጸር።

 ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ነቲ ናይ ኵልና ደቂ ሰባት ጸላኢ ዝኾነ ዲያብሎስ ብምንታይ ክንስዕሮ ከም እንኽእል ኣብ ዝመሃረሉ ጊዜ፡ ብመጀመርታ ካብ ልቢ ዝነቐለ ምሉእ እምነት ከም ዘድልየና እዩ ገሊጹ። ቀጺሉ ድማ “እዚ ዓይነት ጋኔን ብዘይ ጾምን ጸሎትን ኣይ ወፅእን እዩ” ብምባል ምሳና ንዝዓበየ ሰይጣን ኣባሪርርካ ንምጥፋእ ጾምን ጸሎትን ቀንዲ መሣርሒታት ምዃነን እዩ ገሊጽልና /ማቴ 17-21/። ስለዚ ማየ ጸሎት ንምጥማቕ ዝነበረና ዕድል በዚ መልክዕ ፈተና እንተ ገጢምዎ ተስፋ ኸይቆረጽካ ብጾም ጸሎትን ዝኣመሰሉ መንፈሳዉያን መሣርሒታት ብምድጋፍ ጸላኢና ዲያብሎስ ክሰዓር ይከኣል እዩ።

 ብኻልእ መገዲ እቲ ወሳኒ እምነት ብምዃኑ ማየ ጸሎት ከይተሓጸብኩ ኣይኸውንን እዩ ካብ ምባል ብሕማም ምኽንያት ምጻምን ደው ኢልካ ምጽላይን እንተ ዘይ ተኻኢሉ ጸበል ተለኺኻ ማይ ድጋም ሰቲኻ ምውዓል ምስ ማየ ጸበል ምሕጻብ ሓደ እዩ። ማይ ድጋም ምስታይን ጸበል ምልካይን’ሲ ከመይ ኢሉ ይከኣል? ከይበሃል ርስሓት ምጽራይ ከይከውን ተባሂሉ እዩ ማየ ጸሎት ዝተኸልከለ እምበር ምስታይሲ ኣይክልከልን እዩ።

 ነዞም ኣብ ላዕሊ ዝተጠቐሱ ኣማራጺታትን መገድታትን ምጥቃም ዘይተኻእለን ድኹማትን ሕሙማትን ከም ናይ ልቦናአን ናይ እምነት ደረጃ ንምጕዓዝ ንኽኽእላ መምህራነ ቤተ ክርስቲያን ምዝርራብን ብምኽሪ ካህን ብፍቓደ ካህን ክምርሓ ይግባእ።

  ካህናተ ቤተ ክርስቲያን በዚ መልክዕ ንዝሽገራ ኣዴታትን ኣሓትን ማየ ጸሎት ንኽሕጸባ ኮነ ካልኦት ኣማራጺ ብምፍጣር ክረድእወን ይኽእሉ እዮም።

3. ካብ ቊርባን

ደቂ ኣንስትዮ ዋላ እኳ ንቚርባን ዘድሊ ቅድመ ምድላዋት ዝወድኣ እንተ ኾና ካብ ደመ ፅጌ ከይነጽሓ ሥጋን ደምን ናይ ጐይታ ምቕባል ግና  ኣይክእላን እየን። ነዚ ሥርዓት እዚ ጥሒሱ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ጊዜ ወርኃዊ ፅጌያት ናብ ቤተ ክርስቲያን ክኣትዋን ቅዱስ ቊርባን ክቕበላን ዝገበረ ካህን ይኹን ዲያቆን ካብ ክህነቱ ይተኣለ ይብል። ፍት.ነገሥት 6 ዘሌ 7፡19-21። ስለዚ ደቂ ኣንስትዮ ካብ ፅጌያተን ከይነጽሓ ሥጋኡን ደሙን ክቕበላ የብለንን።

  ዋላ እኳ ዝሃረፍናዮ ዓቢ በዓል መርዓ ወይ ካልእ ዓቢ ጉዳይ ውን ይኹን ዝኾነ ዓይነት ጉዳይ ውን ይኹን (ኣብ ጊዜ ወርኃዊ ፅጌያት ክንቆርብ ኣይግባእን)። ምኽንያቱ ካብ ዝኾነ ዓይነት ይኹን ናትና ጉዳይ ስለ ሥጋኡን ደሙን ዚተሠርዐ ሥርዓት ስለ ዝበልጽ። ስለዚ ብቚርባን ዝምርዓዉ ሰባት ዕለተ መርዓኦም ቅድሚ ምውሳኖምን ናይ መርዓ ምድላዋት ቅድሚ ምግባሮምን ናይታ ጓል ኣንስተይቲ ናይ ወርኃዊ ፅጌያት ዑደት ፈሊኻ ምፍላጥ ኣብ ናይ መርዓ መዓልታ ንኸይ ውዕል ምጥንቃቕን ኣገዳሲ እዩ።

4. ቤተ መቕደስ ካብ ምእታው

 ሰበይቲ ኣብ ገዚ ጻግነኣ ናብ ቤተ መቕደስ ንኸይትኣቱ ሥርዓት ተሰሪዑ እዩ። ካብ ጻግነኣ ምስ ነጽሐት ግና ነብሳ ተሓጺባ ትእቶ ፍት.ነገ 6። ሠለስቱ ምእት ብድጋሜ “ሐራስ ወትክት ኢትባእ ውስተ ቤተ ክርስቲያን” መዋዕለ ንጽሕናኣ ዘይወድአት ወላድን ካብ ደመ ጻግነኣ ዘይነጽሐት ጓልን ቤተ መቕደስ ንኸይ ኣትዋ ኣዚዞም እዮም።

 ኣብ ወርኃዊ ፅጌያት ዘላ ጓል ኣንስተይቲ ናብ ቤተ ክርስቲያን ኣይትእቶ ማለት ናብ ቤተ ክርስቲያን ኣይትኺድ ማለት ኣይኮነን። ቤተ ክርስቲያን ከይዳ ናይ መጀመርታ ቐጽሪ ኃሊፋ ብምእታው ኣብ ውሽጢ ኾይና ትመሃር ትጸልይ ዝኾነ መንፈሳዊ ነገር ድማ ከተማልእ ትኽእል እያ።

ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ይምህር ኣብ ዝነበረሉ ጊዜ ጸሓፍትን ፈሪሳውያንን ብምንዝርና ዝተታኅዘት ሰበይቲ ኣምጺኦም “ንኣኣ ኣብ ማእከል ኣቚሞም ኦ መምህር እዛ ሰበይቲ ከተመንዝር ተረኺባ ተታኅዘት” ከም ዝበልዎ ብግልጺ ተጻሒፉ ኣሎ። ዮሐ 8፡1-5 ብፍላይ ኣብ ቊጽሪ 2ን 20ን ዝተጻሕፉ “ናብ ቤተ መቕደስ በጽሐ” “ኢየሱስ ኣብ ቤተ መቕደስ ክምህር እንከሎ” ዝብሉ ቃላት እዚ ታሪኽ ኣብ ውሽጢ ቤተ መቕደስ ዝተፈጸመ ምዃኑ ብግልጺ የብርሁልና።

  ብዘመነ ኦሪት ዘመንዘረ ሰብሲ ይትረፍ ኣብ ሓዳሩውን ይኹን ሥጋዊ ርክብ ዝፈጸመ ሰብ ንዕለቱ ናብ ቤተ መቕደስ ክኣቱ ኣይክእልን እዩ። እዛ ሰበይቲ ደኣ ከተመንዝር ተረኺባ ተታኂዛ እንከላ ኣብ ቤተ መቕደስ ወይ ኣብ ቅድሚ ጐይታና ብኽሲ ንምቛም ዝኸኣለት ከመይ ጌራ እያ?

  ኣብ ዮሐንስ 8፡3ን ቁ 20ን ከም ዝተርጎሞ ቤተ መቕደስ 3 ክፍሊ ኔርዋ። ስለዚ ብዝሙት ዝተሰናኸለ ሕልመ ለሊት ዝረኣየ ሰብን ወርኃዊ ፅጌያት ዘለወን ደቂ ኣንስትዮን ናይ መጀመርታ ኽፍሊ ጥራይ ኃሊፎም ብምእታው ይሳለሙ መባኦም ሂቦም ተማሂሮም ካልእ መንፈሳዊ ተግባራት ፈጺሞም ይምለሱ። ናብ ውሽጢ ክኣትዉ ግና  ኣይክእሉን ነበሩ። ስለዚ ኣብ ላዕሊ ክትዝሙ ተረኺባ ዝተታኅዘት ሰበይቲ ኣብቲ ናይ መጀመርታ ቀጽሪ ጥራይ እያ ኣትያ ነይራ። በዚ ታሪኽ መሠረት ኣብ ወርኃዊ ፅጌያት ዘለዋ ደቂ ኣንስትዮ ናብ ቤተ መቕደስ ምእታው ኣይፈቐደለን እምበር ናብ ቀጽሪ ቤተ ክርስቲያን ኣትየን ጸልየን ተማሂረን  ኵሉ መንፈሳዊ ሥራሓት ፈጺመን ክምለሳ ይኽእላ እየን......።

Wednesday 28 December 2016

ናይ ቅዱስ ዮሐንስ አፈወርቅ ሕይወቱን ትምህርቱን መበል 20 ክፋል

ኣብ ቁስጥንጥንያ ክኣቱ እንከሎ ኣብቲ ቤተ መንግሥቲ ዚነበረ ናይ ፖለቲካ ኩነታት ንቕዱስ ዮሐንስ አፈወርቅ ንምብቃል ብቑዕ ኮይኑ ስለ ዝረኸቦ፡ ኣቐድም ኣቢሉ ንምብቃል ምኽንያት ይኾነኒ እዩ ኢሉ ዚዳለወሉን ንኻልኦት ድማ ኣብ መጻወድያ ዘእትወሉን ንዚነበረ ናይ ኦሪገናውነት ጉዳይ ርሕርሕ ኣቢሉ ገደፎ። እቲ ቐንዲ ጉዳይ ናይ በቐል ዕላማኡ ምስኻዕ እምበር ካብ ቀደሙውን እቲ ጉዳይ ጉዳይ ኦሪገናውነት ኣይነበረን። ነቶም ብናይ ኦሪገናውነት ሰበብ ሰጕጉዎም ዚነበረ መነኰሳትውን ‘በዲልኩም ኢኹም ንስሓ እተዉ ወይውን ኣተሓሳስባኹም የዕርዩ’ ከይበለ ትም ኢሉ ተዓረቖም። ናይ ኦሪገን መጻሕፍቲውን ተቐቢሉ ከንብብ ጀመረ። እቲ ብናይ ኦሪገን ሰበብ ነዚ ዅሉ ህውከት ኪፈጥርን ብዙኅ ነገራት ኪገብርን ዚጸንሐ ሰብ ሕጂ ናቱ መጽሓፍ ተቐቢሉ ብምንባቡ ተገሪሞም “ከመይ ጌርካ ደኣ ናይ ኦሪገን መጻሕፍቲ ተንብብ ኣለኻ?” ምስ በሉዎ ድማ “”ንጽጌሬዳ ካብቲ እሾኽ ክፈሊ ይኽእል እየ” ክብል መለሰሎም። ስለዚ እቲ ናይ መጀመርታ ንናይ ኦሪገናውነት ክትዕ መበገሲ ምኽንያት ዚነበረ፡ እቲ ናይ ኦሪገን ኣተሓሳስባ ዚነበሮ ሃይማኖታዊ ስሕተት ወይ ሽግር ዘይኮነስ፡ ቴዎፍሎስ ንቕዱስ ዮሐንስ አፈወርቅ ንምብቃል ክብል ዚፈጠሮ ክትዕ ነበረ። ኮይኑ ግና ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዚተገለጸ ቴዎፍሎስ ንሱ ዘይሓሰቦን ኣቋራጭን ዚኃሸ መገዲ ምስ ረኸበ፡ ነቲ ውፅኢቱ ዘየተኣማምን ዚነበረ ሜላ (ብኦሪገናውነት ናይ ምስባብ ሜላ) ገደፎ።

እቶም ሕዝቢ ግና ነቲ ቤተ መንግሥቲ ብቚጥዐ ከቢቦም ኣብ ልዕሊ ንጉሥን ኣብ ልዕሊ ንግሥትን ከምኡውን ኣብ ልዕሊ ናይ ኦክ ጉባኤ ናይ ጸርፍን ናይ ቁጥዓን ቃላት ክዛረቡ ጀመሩ። ብፍላይ ድማ ኣብ ልዕሊ እቶም ነቲ ተንኮል ዚኣለሙዎ ቴዎፍሎስን ሴቬሪያንን ናይቲ ሕዝቢ ቚጥዓ ኣዝዩ ገንፈለ። ሽዑ ሴቬሪያን ቅዱስ ዮሐንስ አፈወርቅ ክስደድ ዝግብኦ ምዃኑ ንሕዝቢ ንምእማን ኣብ ቤተ ክርስቲያን ክምህር ጀመረ። እዚ ድማ ንቚጥዓ ናይቲ ሕዝቢ ካብ ቁጽጽር ወፃኢ እናገበሮ ኸደ። ነቲ ዚፈትዉዎ ኣቦኦም ክመልሰሎም ድማ ኣጥቢቖም ምሕታቶም ቀጸሉ። ካብዚ ዚተላዕለ ድማ ከተማ ቁስጥንጥንያ ኣብ ዓቢይ ህውከት ወደቐት።

ካብዚ ካብ ቁጽጽር ወፃኢ ዝኾነ ናይ ሕዝቢ ቚጥዓ ዚተላዕለ ንጉሥ ኣርቃዴዎስ ንቕዱስ ዮሐንስ አፈወርቅ ንምምላስ ሓሰበ። ንጽባሒቱ ለይቲ እታ ኸተማ ዓቢይ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ከናውጻ ጀመረ። ብፍላይ ድማ ኣብ ናይ ኣውዶክስያ መደቀሲ ኽፍሊ ብፍሉይ ኩነታት ኣዝዩ ኃያልን ዘፍርህን ነበረ። ኣውዶክስያውን እዚ መዓት እዚ ብምንታይ ምኽንያት ከም ዚመጻ ተግባራ ስለ ትፈልጥ፡ ብፍርህን ብራዕድን ተሰናቢዳ ንቕዱስ ዮሐንስ አፈወርቅ ንኽምለስ ክጽውዖን ብኡ ድማ ናይ እግዚአብሔር ቊጥዓ ንኸርሕቐላን ንንጉሥ ተማሕጸነቶ።

ንዕኡ ንምምላስ ድማ ብፍጹም ተዋርዶ (ብፍጹም ትሕትና) ይቕሬታ ዝሓቱን ንኽምለስ ዚሽምግሉን ልኡኻት ተላእኹ። ክምለስ ከሎ ድማ “ካብ መንበሩ ወሪዱ ንኽስደድ ዚተወሰነ ዘይ ሕጋዊ ውሳኔ ካልኦት ብዙኃት ጳጳሳት ኣብ ዚርከቡሉ ብቕኑዕ ሲኖዶስ ክሳዕ ዘይተወሰነን፡ ንጹሕ ሰብ ምዃነይ ክሳዕ ዘይተገለጸን ናብታ ኸተማን ናብ መንበረይን ኣይምለስን እየ በሎም። እንተ ኾነ ግና ንሱ ኣብ ዝድንጉየላ ነፍሲ ወከፍ ካልኢት እቲ ሕዝቢ ኣብ ልዕሊ ንጉሥን ኣብ ልዕሊ ንግሥትን ዘርእዮ ዚነበረ ቊጥዓ እናገደደ ስለ ዝኸደ፡ እቲ ንጉሥ ቀልጢፉ ንኽመጽእ ለመኖ። ንሱ ድማ ናይቲ ሕዝቢ ቊጥዓ ንምዝሓል ክብል ንምእታው ተገደደ።

ብዙኃት መራኽብ ሽግ ኣብሪሀን ናይ ሓጐስ መዝሙር እናዘመሩ ተቐበሉዎ። እቶም ሕዝቢውን ነቲ ዚተፈጠረ ኩነታት ዝምልከት ዚተዳለወ መዝሙራት እናዘመሩ፡ መብራህትታት እናብርሁ ኣዝዩ ፍሉይ ብዝኾነ ሓጐስን ደስታን ብዕልልታን ብመዝሙርን ነቲ ዚፈትዉዎ ኣቦኦም ተቐበሉዎ። ናብቲ ማዕጾ ምስ በጽሐ ምእመናን ካብ ብዝኂ ሓጐሶም ዚተላዕለ ተሰኪሞም ኣብ መንበረ ጵጵስናኡ ኣቐመጡዎ። ነቲ ዅሉ ተኣኪቡ ዚነበረ ቃል ክዛረብ ድማ ለመኑዎ። ናይ ቅዱስ ዮሐንስ አፈወርቅ ዓወት ምሉእን ፍጹምን ነበረ። ዋላ እኳ ንሱ ነቲ ብግፍዒ ዚወረዶ ናይ ስደት ውሳነ ብጸጋ እንተ ተቐበሎ፡ እግዚአብሔር ግና ብተኣምራት ገይሩ ንጽሕናኡን ቅድስናኡን ብምግላጽ ንጸላእቱ ኣኅፈረሉ። ምምላስ ናይ ቅዱስ ዮሐንስ አፈወርቅ ንኣውዶክስያውን ዓቢይ ስዕረትን ኅፍረትን ነበረ።

ነዚ ኩነታት ዚተዓዘበ ቴዎፍሎስ ተንኮሉ ከም ዝፈሸሎ ስለ ዚተረድአ፡ ኣብ ቁስጥንጥንያ ምጽናሕ ንድኅነቱ ሓደገኛ ኾይኑ ስለ ዚተሰምዖ፡ ምስቶም ምስኡ ኃቢሮም ዚመጹ ብለይቲ ምሉቕ ኢሉ ናብ እስክንድርያ ብምምላስ ሕይወቱ ኣድኃነ። ነቲ ኣብ ልዕሊ ቅዱስ ዮሐንስ አፈወርቅ ዘውረዶ ግፍዒ፡ ብፍላይ ድማ ቴዎፍሎስ ዚፈጠሮም ክስታት እቶም ሕዝቢ ምስ ሰምዑ ካብ ሕርቃኖም ዚተላዕለ እንተ ረኺቦምዎ ኣብ ባሕሪ ክድርብይዎ ይደልዩዎ ነበሩ። ካልኦት ጸላእቱ ከም በዓል ሴቬሪያንውን ቁስጥንጥንያ ንሕይወቶም ኣስጋኢት ኮይና ስለ ዝረኣዩዋ ነታ ኸተማ ገዲፎም ጠፍኡ።
ቅዱስ ዮሐንስ አፈወርቅ ኣብ መጀመርታን ካልኣይን ስደቱ ዚተሰምዖ ሲርያኮስ ንዚተባህለ ጳጳስ ኣብ ዝለኣኸሉ መልእኽቲ ከምዚ ብምባል ገሊጹዎ ኣሎ፦ 

“ካብታ ኸተማ ኪስደድ ከለኹ ዋላ ሓንቲ ኣይተጨነቕኩን፡ እንተ ኾነ ግና ንርእሰይ ከምዚ በልኩዋ፦ እዛ ንግሥቲ ከተሳድደኒ እንተ ደለየት ኵላ ምድርን ኣብኣ ዘሎን ናይ እግዚአብሔር እዩ፡ ብመጋዝ ኪትስንጥቐኒ እንተ ደለየት ኣብ ቅድመይ ነቢይ ኢሳይያስ ኣርኣያ ኣሎኒ፡ ናብ ውቅያኖስ ከተጥሕለኒ እንተ ደለየት ንነቢይ ዮናስ እየ ዝዝክር፡ ናብ ሓዊ እንተ ተደርበኹ ሠለስተ መንእሰያት ነዚ ተቐቢሎም እዮም፡ ንኣራዊት እንተ ተወሃብኩ ነቲ ኣብ ጕድጓድ ኣናብስቲ ዚተደርበየ ዳንኤል እየ ዝዝክር፡ ብእምኒ ተቐጥቂጠ ንኽመውት እንተ ደልያውን ኣብ ቅድመይ ቀዳማዊ ሰማዕት ቅዱስ እስቲፋኖስ ኣሎኒ። ርእሰይ እንተ ደልያውን ከም ዚደለየቶ ትግበር መጥመቀ መለኮት ቅዱስ ዮሐንስ ኣብ ቅድመይ ኣሎ። ካብ ማኅፀን ኣደይ ዕራቐይ እየ ዚወፃእኩ፡ ነዚ ዓለም እዚውን ዕራቐይ ገዲፈዮ እየ ዝኸይድ። ‘ንሰባት ከሐጕስ ኢለ እንተ ኾይነስ ናይ ክርስቶስ ኣገልጋሊ ኣይኮንኩን’ ብምባል ቅዱስ ጳውሎስ የዘኻኽረኒ።”....

Friday 23 December 2016

ፍና ጴጥሮስ ወጳውሎስ (ብዲያቆን ኣስመላሽ ገብረ ሕይወት) 2ይ ክፋል

ሎሚ ብዙኃት ካብ ሃይማኖት ዝወጹሉ ዘለዉ ጥራይ ዘይኮነስ፡ እቶም ኣብ እምነት ዘለዉውን ንዝኣምንዎ ዝኸውን ናይ ግብሪ ምስክርነት ዘጥፍኡሉ ናይ ምስሉይነት ዘመን እዩ። ንዘይኮንዎ ነገር ባህርያቶም ቀይሮም ምንባር ንናይ ዘመንና ትውልዲ ቀሊል እዩ። ሃይማኖት ምስ ምዕባለ ዘይከይድ ጸረ ምዕባለ ጌሮም ዝገልጽዎ ውን ምቑጻሮም ዘጸግም እኳ እንተ ኾነ ብዘይ ሰባኺ ኅልንኦም መምህር ኮይኑ ከም ዘየደቅሶም ግና ርግጸኛታት ኢና። ኵሉ ንሃይማኖት ንምንቃፍ ከም ምኽንያት ጌሩ ዝገልጾ ብዙኅ እኳ እንተ ኾነ እቲ ዝዓበየ ምኽንያቱ ግና  ዘይተለወጠ ሕይወት ኣገልገልቲን ምእመናንን እዩ። ቤተ ክርስቲያን ኣብ ዝኃለፉ ዘመናት ብዙኃት ከተእምን ካብ ዝኸኣለትሎም ምሥጢር እቲ ናይ መጀመርታ ንክርስቶስ መሲሎም ከገልግሉን ክምስክሩን ዝኽእሉ ብቑዓት ኣገልገልቲን ምእመናንን ከተፍሪ ስለ ዝኸኣለት እዩ። ብኣካይዳና ንእምነትና ክንገልጾ እንተ ዘይክኢልና ብቓልና ብዙኃት እኳ እንተ ሰበኽና ብግብርና ግና  እልፊ ከነጥፍእ ንኸእል ኢና። ዝተለወጠ ሕይወት ንቤተ ክርስቲያን ምስፋሕ ዝኅግዝ መሠረት ናይ ወንጌል እዩ። 

ይኹን እምበር ኣብ ዝተለወጠ ሕይወት መሠረት ዝገበረ፡ ኣገልግሎት ንምኃዝ መብዛኅትና ግዱሳት ኣይኮናን። ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ንምዃን ፍልጠት ጥራይ ዘይኮነስ ግብሪውን ከም ዘድሊ ብቓልና እምበር ብግብርና ክንገልጾ ኣይከኣልናን። ቃልና ኦርቶዶክሳዊ ግብርና ግና  ኣረሜናዊ (መናፍቕ) ኮይኑ ዘሸገረና ስለ ዝኾንና፡ ንጐረቤትና ዘይኮነስ ንስድራና ዝተርፍ ግብሪ ኣይተረኽበናን። ናይ መዓልታዊ ጭንቅናን ጻዕርናን ፍልጠት እምበር ንዝተበላሸወ ክርስቲያናዊ ግብርና ንምምዕርራይ ኣይኮነን። 

ካብ ማዕርግ ኂዞም ሓደራ ቤተ ክርስቲያን ተሰኪሞም ዝድቕሱ መራሕቲ፡ ካብ ኣብ መቕደስ ኣትዮም ልብሰ ተክህኖ ተኸዲኖም ላዕልን ታሕትን ዝብሉ መምሰልቲ፡ ካብ ወንጌል ተሰኪሞም ቅዱስ ቃል ዝጠዋውዩ ሰበኽቲ፡ ኣብ ምምሕዳር ተቐሚጦም ካብ ሰብ ንላዕሊ ገንዘብ ዝቖጽሩ ኣሳሰይቲ፡ ብዙኅ ናይ እምነት ገድሊ፡ ናይ ሕይወት ትምህርቲ ደሊና ክንረክብ ስለ ዘይከኣልና፡ ንእምነት በዚኦም ስለ ዝመዘንናያ፡ 'ሃይማኖት ዝጸላእና፡ ካብ ቤተ ክርስቲያን ዝረሓቕና' ክንከውን ንኽእል ኢና። ኣብዚ ዘለናዮ ዘመን ኣዝዩ ብዙኅ ናይ ኣገልገልቲ ውድቀት ዝረኣየሉ እኳ እንተ ኾነ እግዚአብሔር ግና  ብሰባት ኣይምዘንን እዩ። 

ልክዕ እዩ ኣብ ባህልና፡ “ቀሺ ዝበለካ ግበር። ቀሺ ዝገብሮ ኣይትግበር።” ዝብል ምስላ፡ ከም መምርሒ እምነት ጌርና ክንከዶ  ስለ ዝፈተንና፡ ኣገልገልቲ ኣብ ብዙኅ ምስ ክብሮም ምስ ማዕርጎም ምስቲ ዝተጸውዑሉ ናይ እምነት ጻውዒት ዘይሰማማዕ፡ ርኹስ ብዝኾነ ሥነ ምግባር ንኽኸዱ ኣተባቢዕናዮምን ሠናይ ግብሪ ንምእመናን እምበር ንዕኦም ከም ዘይምልከቶም ገይሮም ከም ዝርድእዎ ጌርናዮም ኢና። ናይ እዚ ውፅኢቱ ድማ፡ ሰኺሮም ስምዒቶም ዘይቆጻጻሩ ብዙኃት ኣገልገልቲ ኣብ ፈቐዶ እንዳ ባራትን እንዳ ስዋን መውዓሊኦም ከም ዝቖጽርዎ ጌርዎም እዩ። 

ብተወሳኺውን ቀንዲ ናይ ፖለቲካ ልኡኻት ኮይኖም፡ መስቀል ኣቐሚጦም ሽጉጥ ዝኃዙ፣ ናብ ቤተ መቕደስ ሽጉጥ፡ ናብ ናይ ፖለቲካ መድረኽ ድማ ዕጣን ወይ መስቀል ከም ዝኣቱ ዝገበሩ፡ ንዅሉ ኣብ ዘይቦትኡ ንኽርከብ ምኽንያት ዝኾኑ ውሑዳት ኣይኮኑን። ንዘኽብሮም ምስ ክፉእ ግብሩ፡ 'ጸዲቕካ ኢኻ' እናበሉ ዘይቅኑዕ ዝኾነ ተስፋ ዝህቡ፡ ንዝቃወሞም ዝብቀሉ፡ ክብሮም እምበር ክብሪ ወንጌል ዘይተረድኡ፡ ናይ ቤተ ክርስቲያን መልክዕ ምስሎም ከም ዝሰኣላ ስለ ዝገበሩ፡ 'እንዳ ቐሺ እገለ  እዩ እዚ ቤተ ክርስቲያን' ኢሎም ብመልክዕ ድኹማት ኣገልገልቲ ክርእይዎ ዝኸኣሉ ድኹማት ምእመናን፡ ካብ እግዚአብሔር ርሒቖም ብሰይጣን ዝተማረኹ ቆጺርና ኣይንውድኦምን ኢና። 
እንተ ኾነ ግና  ኣገልጋሊ ናይ ክርስቶስ መልክዕ ዝንበበሉን ብግብሪ ዝገልጽን ክኸውን ይግባእ። እንተ ዘይኮይኑ ግና፡ መስቀሉ ኣቐሚጡ ልብሰ ተክህንኡ ኣውፂኡ ነቶም ብሕይወት ዘገልግልዋ ቦታ ክለቀሎም የድሊ። ምኽንያቱ፤ “ኣብ ኵሉ ዘመናት ንእግዚአብሔር ዘገልገሉ ዝተጠቀሙሉ መምርሒ፡ “ንዓይ ምሰሉ” ዝብል እዩ። ድምፂ ጓስኦም ዘይፈልጡ ኣገልገልቲ፡ ነተን መጓሰ ናብ ተዅላ ዘረክቡ ናይ ሓሳዊ መሲሕ መገዲ ጸረግቲ እዮም። 'ዝተዛረብናዮ እምበር፡ ዝገበረናዮ ኣይትግበሩ' ዝብሉ ኣገልገልቲ ኣብ ኵሉ ዘመናት ቤተ ክርስቲያን ኣአንጊዳ ኣይትፈልጥን እያ። ካብ ቃል ንላዕሊ ግብሪ እትግደስ ነይራ እንተ ዘይትኸውን፡ ንኃያላት መሊኻ ንነገሥታት ገሢፃ፡ንመናፍቓን ኣሕፊራ፡ ኣብ ዘመናት ንዘጋጠማ ፈተናን ስቓይን ስዒራ ኣብዚ ዘመን ክትበጽሕ ኣይምኸኣለትን። ካብ ናይዛ ዓለም ገዛእቲ ንላዕሊ ብሥልጣን ልዕል ኢላ ከም እትረአውን ክትከውን ኣይምኸኣለትን። ስለዚ፡ ካብ ምዝራብ ንላዕሊ ንወንጌል ብግብሪ ገሊጻ ንብዙኃት ዘይኣምኑ ኣብ መዓልታዊ ትእክብ ዝነበረት ቤተ ክርስቲያን፡ ሕጂ ግና ዝዛረብ እምበር ዝገብር ወለዶ እናሰኣነት ክትመጽእ ምስ ጀመረት፡ ነቶም ኣብ ሓንቲ ቤተ ክርስቲያን ዘለዉ ሓደ ገይራቶም ክትከይድ ኣይከኣለትን። ቀዳሞት ኣቦታት ዝተጠቀሙሉ መምርሒ ምጥቃም፡ ናይ እቲ ዓወት ምሥጢር እዩ'ሞ፡ ከም ቀዳሞት ወንጌል ኣብ ኢድናን ኣብ ኣፍናን ዘይኮነስ ኣብ ሕይወትና ገሊጽና ተንቀሳቐስቲ ወንጌል ክንከውን ይግባእ። ክርስቲያን ማለት፡ ምዃን እምበር ቆርበት ምኽዳን ማለት ኣይኮነን።


Wednesday 21 December 2016

ናይ ቅዱስ ዮሐንስ አፈወርቅ ሕይወቱን ትምህርቱን መበል 19 ክፋል

ኣብቲ ቴዎፍሎስ ንቅዱስ ዮሐንስ አፈወርቅ ንምስዳድ ዘይፍንቅለሉ እምኒ  ኣብ ዘይነበረሉ ጊዜ፡ ቅዱስ ዮሐንስ አፈወርቅ ብሓፈሻ ብዛዕባ ገንዘብ ምፍታውን ናይ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ኣከዳድናን መገያጺታትን ዘለወን ቅጥዒ ዝሰኣነን ዚተበላሸወን ኩነታት ብዝምልከት ከምቲ ብዙኅ ጊዜ ዝምህሮ ኣብ ናይ ቤተ ክርስቲያን ዓውደ ምሕረት መሃረ። ጸላእቱ ኣብ ልዕሊኡ ወንጀል ዝደልዩሉ ጊዜ ስለ ዝነበረ፡ ትምህርቱ ንዓኣ ንምጽራፍ ከም ዝኾነ እናምሰሉ በዓል ሴቪርያንን ሰዓብቱን ንኣውዶክስያ ነገሩዋ። ከምኡውን ናይ ሓንቲ ሰብኣያ ዝሞታ ሰበይቲ ናይ ኣታኽልቲ ቦታ መንዚዓ ወሲዳትላ ስለ ዝነበረት ነዚ ከይመለሰትላ ናብ ቤተ ክርስቲያን ከም ዘይትኣቱ ጌሩ ዘወገዛ ኣብዚ ሰሙን እዚ ነበረ። በዚ ዅሉ እዚ ድማ ንሳ ቀንዲ ጸላኢቱ ኾይና ተላዕለት። ናይ ቴዎፍሎስ ናይ በቐል ትምኒቱ ድማ ናይ ኣውዶክስያ ዓቢይ ናይ ደገፍ ኢድ ረኸበ።

ብብዙኅ ወንጀላት ተኸሲሱ ናብ ቁስጥንጥንያ ብኃይሊ ዝመጸ ቴዎፍሎስ፡ ብገንዘብን ብዚተፈላለየ መታለልን ሰባት ብምግዛእን ከምኡውን ብናይ በዓል ኣውዶክስያ ድጋፍን ብሓንሳብ ናይ ቅዱስ ዮሐንስ አፈወርቅ ከሳሲ ኾይኑ ተንሥአ። ቅዱስ ዮሐንስ አፈወርቅ ብዛዕባ እቶም ዚተኸሰሱ መነኰሳት ክልምኖ እንከሎ "ኣብ ናይ ካልእ ሃገረ ስብከት ጉዳይ ኣቲኻ" ብምባል ዝተቖጥዐ ቴዎፍሎስ፡ ኣብ ናይ ቅዱስ ዮሐንስ አፈወርቅ ሃገረ ስብከት ጉዳይ ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብቲ መንበረ ጵጵስናኡ ዘለዎ ኸተማ ቀንዲ ከሳስን ፈራድን ኮይኑ ቀረበ። ኣውዶክስያን ቴዎፍሎስን ካልኦት ብልሽው ተግባር ዘለዎምን ናይ ሹማምንት ኢድ ምልሓስ ዝፈትዉን ከምኡውን ንሽመትን ንሥልጣንን ዝህንጠዩ ካህናት ኣብ ልዕሊ ቅዱስ ዮሐንስ አፈወርቅ ናይ ጸላእትነት ኅብረት ፈጠሩ። ቅዱስ ዮሐንስ አፈወርቅ ብምኽንያት ጉድለት ሃይማኖትን ብልሽው ምግባራቶምን ወጊዝዎ ዚነበረ ጳጳሳትውን ኣብ ከምዚኣቶም ዓይነት ኩነታት ክኸውን ከሎ ከም ዝርአ  ቀንዲ ከሰስቱ ኾይኖም ተላዕሉ። እዚኣቶም ናይ ጽልኢ ምኽንያታቶምን ዕላማኦምን ዚተፈላለዩ እኳ እንተ ኾኑ ኣብ ልዕሊኡ ብዘለዎም ጽልኢ ግና ንጊዜኡ ሓደ ኮኑ።

ቴዎፍሎስ ምስቶም ካብ ግብጺ ኂዙዎም ዚመጸ ጳጳሳትን ምስቶም ኣብ ቁስጥንጥንያ ንናይ ቅዱስ ዮሐንስ አፈወርቅ መንበረ ጵጵስና ንምኃዝ ህርፋንን ህንጡይነትን ዚነበሮም ጳጳሳትን ብምዃን፡ ውሳኔኡን ዕላማኡን ኣቐዲምካ ዝፍለጥ ናይ ተንኮልን ናይ ሓሶትን ሲኖዶስ ንምእካብ (ንምድላው) ላዕልን ታሕትን ክብል ጀመረ። ብሓደ ጊዜ ባዕሉ ከሳሲ ባዕሉ ድማ ፈራዲ ዳኛ ብምዃን፡  ብናይ ንግሥቲ ኣውዶክስያ ምትኅብባርን ከምኡውን ብምኽንያት እቲ ካብ መገዲ ክርስትና ዝርሓቐ ሕይወቶምን ናይ  ቅዱስ ዮሐንስ አፈወርቅ ናይ ቅድስና መገድን ትምህርትን ዘይተሰማምዖም ካህናትን፡ ብሓደ ኃቢሮም ኣብ ወሰን ኬልኬቀዶን ዝርከብ ኦክ ኣብ ዚተባህለ ቦታ ኅቡእ ኣኼባ ገበሩ። እዚ ኣኼባ እዚ ናይ ኦክ ጉባኤ እናተባህለ ይጽዋዕ።

ብፍላይ ድማ ሲሪኖስ ዚተባህለ ናይ ኬልቄዶን ጳጳስ ዚነበረ፡ ንቕዱስ ዮሐንስ አፈወርቅ ብዅሉ ነገር ጌገኛን ቀንዲ ወንጀለኛን ከም ዝኾነ እናምሰለ ነቲ ዓመፀኛ ጉባኤ ይገልጽ ነበረ። እንተ ኾነ ግና ገና ካብቲ ጉባኤ ከይወፀ ሓደ ካብቶም ተጋባእቲ ብኣጋጣሚ ከይረኣዮ እግሩ ረጊጹዎ ስለ ዝሓመመ ምስቶም ካልኦት ከሰስቲ ናብ ቁስጥንጥንያ ክኸይድ ብዘይምኽኣሉ ኣብኡ ኣብ ኬልቄዶን ተረፈ።

እዞም ካብ ቤተ መንግሥትን ካብ ቤተ ክህነትን ዚተዋፅኡ ናይ ጽድቂ ጸላእቲ፡ ብመሪሕነት ናይቲ ካብ እስክንድርያ ተበጊሱ ንምስዳድ ኢሉ ዚመጸ ቴዎፍሎስ ሓደ ተንኮል ብምእላም “ነታ ንግሥቲ ኤልዛቤል ኢሉ ጸሪፉዋ፡ ንካህናትውን በዲሉ እዩ ወዘተ..” ዝብሉ ናይ ሓሶትን ናይ ምህዞን ክስታት መሥሪቶም፡ ባዕላቶም ከሰስቲ ባዕላቶም ድማ ፈረድቲ ብምዃን፡ ቅዱስ ዮሐንስ አፈወርቅ ኣብ ዘይብሉ ጉባኤ ካብ መንበሩ ወሪዱ ንኽስደድን ሕይወቱ ምሉእ ኣብ ስደት (ኣብ ቤት ማእሰርቲ) ንኽነብርን ፈረዱዎ። ብፍላይ ድማ ብዛዕባቲ “ክሕደት ፈጺሙ እዩ” ዝበሉዎ ማለት ንንግሥቲ ጸሪፉዋ ኢሎም ዝኸሰሱዎ ክሲ ብሞት ክቕጻዕ ንምርኣይ ተሃንጥዮም ስለ ዚነበሩ እዩ።

ዚተረፈ ኵሉ ናይ ሕይወት ዘመኑ ኣብ ስደት ንኽነብር ከም ዚተወሰነ ምስ ተሰምዐ፡ ናይቲ ሕዝቢ ቊጥዓ ኺግለጽ ብዘይክእል ኩነታት ገንፈለ። ካብ ኣፉ ሓንቲ ቓል እኳ እንተ ትወፅእ ኔራ እቲ ሕዝቢ ዓቢይ ሕንፍሽፍሽን ህውከትን ምፈጠረ ኔሩ። ንሱ ግና ዕግርግር መታን ከይፍጸም ብምባል ባዕሉ ብጸጥታን ብህድኣትን ርእሱ ንናይ ንጉሥ ወተሃደራት ኣኅሊፉ ሃበ። ንሳቶም ድማ ናብቲ ዕድሜኡ ምሉእ ብስደት ክነብረሉ ዚተፈረደሉ ቤት ማእሰርቲ ንምውሳድ ብለይቲ ኣብ መርከብ ሰቐሉዎ። ቴዎፍሎስ ናብ ከተማ ቁስጥንጥንያ ብናይ ዓወት መንፈስ ኣተወ። ኣብ ልዕሊ እቶም ናይ ቅዱስ ዮሐንስ አፈወርቅ ናይ ቀረባ ፈተውትን ተኃጋገዝትን ዝኾኑ ሰባት ድማ ናይ በቐል በትሩ ከውርድ ጀመረ።

Tuesday 20 December 2016

ፍና ጴጥሮስ ወጳውሎስ (ብዲያቆን ኣስመላሽ ገብረ ሕይወት) 1ይ ክፋል

ነዊኅ ዝተጸበናዮ መንፈሳዊ ጸባ ኣብ ሰዓቱ ፈሲሱ። ኣብዚ እዋን እዚ ካብቲ ንነፍስና ዘጥሚ ጸባ እኳ ተኸልኪልና እንተ ሃለና ንነፍስና ዚሓንጽ ጸባ ግና እግዚአብሔር መንፈስ ቅዱስ ካብ ጓጉድ ኣገልገልቱ ከም ንጸገብ ስለ ዝገበረ ክብርን ምስጋናን ንዕኡ ይኹኖ። ዲያቆን ኣስመላሽ ኣብዚ ምስ ኣጽራረ ቤተ ክርስቲያን ዝግበር  ከቢድ ጥምጥም ተጸሚዶም ብዙኅ ፈተናታት ኣብ ዝበዝኆ ኣገልግሎት እኳ እንተ ሃለዉ፡ እዚ ዅሉ እዚ ከይገትኦም ነዞም ምስ ሥጋና ቅልስ ዘይወዳእና ድኹማት ንምድጋፍ ነዚ ሥራሕ እዚ ሠሪሖም ክውድኡ ምኽኣሎም "ኣነ ንክርስቶስ ከም ዝመሰልኩ ንስኻትኩም ድማ ንዓይ ምሰሉ ዝተባህለ ቃል ብግብሪ ኣርእዮምና። ምኽንያቱ ቅዱስ ጳውሎስ ከምዚ ክብል ከሎ፡ ንሱውን ብፈተና ዝተኸበበ ጽዑቕ ኣገልግሎት እናፈጸመ 14 መጻሕፍቲ ምጽሓፉ ኣዝዩ ዘደንቕ እዩ። ዲያቆንውን ፍና ጴጥሮስ ወጳውሎስ ብትምህርቶምን ብሕይወቶምን ኣርእዮምና ኣለዉ። ታሪኽ ናይ እስራኤላውያን ኣብ ብሉይን ሓድሽን ኪዳን ብጽሟቕን ብንጹርን ንምምሃር ፍና ጴጥሮስ ወጳውሎስ፡ ታሪኽ ነገሥታት ግብጺ፡ ባቢሎን ፋርስ ሜዶን ግሪኽን ሮማን ንምድህሳስ፡ ፍና ጴጥሮስ ወጳውሎስ፡ ብዛዕባ 12 ነገደ እስራኤልን 12 ሐዋርያትን ምሳሌኦምን ብሓጺሩ ንምርዳእ፡ ፍና ጴጥሮስ ወጳውሎስ፡ ሰፊሕን ዓሚቚን ዝኾነ ገድልን ኣገልግሎትን ናይ ሐዋርያት ጴጥሮስን ጳውሎስን መጻሕፍቶምን ብዝርዝር ንምምሃር፡ ፍና ጴጥሮስ ወጳውሎስ፡ ቤተ መቕደስ ስለ ምንታይ ብስም ቅዱሳን ይግበር? ሥዕሎም ከ ይግባእ ድዩ? ቅዱሳን ምስ ሞቱ ኸ የማልዱ ድዮም? ንምምላስ ፍና ጴጥሮስ ወጳውሎስ እዝን ካልእ ዝተፈላለየ ተግሣፅን ማዕዳን ኂዛ ደበኽ ኢላትና ኣላ። እንታይ እሞ ዘጸቢ ኣሎና ደኣ ሃየ ቀልጢፍና ንወንና እሞ ካብ መጻጕዕነትና ተንሢእና ዓራትና ተሰኪምና ኣብ መንፈሳዊ ሕይወት ንጕየ።

ንሕጂ ገለ ካብ ትኅዝቶኣ ኸካፍለኩም ንቐደም..

...ኣብ ሓዋርያ ጳውሎስውን ዝተፈጸመ እንተ ነይሩ እዚ እዩ። ድኅሪ ዅሎም ሓዋርያት ጽውዓ ኣምላኽ ዝበጽሖ ግና ኸኣ ልዕሊ ዅሎም ንቤተ ክርስቲያን ዝዓየየላ ብሉጽ ሓዋርያ ንምዃን ዝበቕዐ እዩ። ካብቶም ኣንጊሆም ዝተጸውዑ ከም በዓል ቅዱስ ጴጥሮስ ኃዉ እንድርያስ፡ ደቂ ዘብዴዎስ ያዕቆብን ዮሓንስን እዮም። ኣብ ቀትሪ ደንጉዩ ዝተጸውዐ፡ (ናብ እታ ቀዳመይቲ ቤተ ክርስቲያን ዝተጸንበረ) ድማ ሓዋርያ ጳውሎስ እዩ።

ድኅሪ ሰብዓን ክልተን ኣርድእትውን ደንጉዩ እዩ ናብ ቊጽሪ ቤተ ክርስቲያን ተጸንቢሩ። እንተ ኾነ ግና እቲ ኣቐዲሙ ዝተጸውዐ ማርቆስ ንእስክንድርያ ብምልእታ ኂዝዋ ናብ ጐይታ ክኸይድ ከሎ፡ እቲ ዶንጉዩ ዝተጸውዐ ጳውሎስ ግና ንዓለም ብምልእታ ኂዝዋ ናብ ሐቚፎ ጐይታ ከም እትቐርብ ጌርዋ። ማርቆስ ናይ እስክንድርያ ቤተ ክርስቲያን ክምሥርት ከሎ፡ ጳውሎስ ድማ ኣጽናፋዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ኵሉ ከም እትምሥረት ገይሩ። እቲ ድኂሩ ዝመጸ ብዙኅ ስለ ዝጎየየ፡ ንዓለም ብምልእታ ወንጌለ መንግሥት ከም ዝበጽሓ ገይሩ።
 
ቅዱስ ጳውሎስ ናይቶም ደንጕዮም ኣገልግሎት ዝጅምሩ ምሳሌ ኮይኑ ዝግለጽውን እዩ። ቀዲምካ ናይ ዝተጸዋዕካ(ኣገልግሎት ናይ ዝጀመርካ) ዘይኮነስ በቲ ዝተዋህበካ ጸጋ ኣምላኽ ጸኒዕካ ናይ ዘገልገልካ ከም ዝኾነ እዚ ድኂሩ ዝመጽአ፡ ግና ኸኣ ብዙኅ ዚሠርሐ ሓዋርያ ናይ ኵልና ኣብነት እዩ።

ሎሚ ውን ኣብ ቤተ ክርስቲያን ዝርአ ዓይነት ጽውዓ ኣምላኽ ከምዚ እዩ። ኣብ ዘመንና ምስቲ ዘመን ዝተቐየረ ነገር የለን። ከም ዑደት መሬት እቲ ዕዮ ናብ ዝተፈላለዩ ሰባት ምትኅልላፍ እንተ ዘይኮይኑ ሓድሽ ነገር የለን። ኣቐዲሞም ብንጉሁኡ ዝተጸውዑ (ኣገልግሎት ዝጀመሩ) ከም ጴጥሮስ ኣለዉ፣ ኣብ ጊዜ ቐትሪ ደንጕዮም ጽውዓ ኣምላኽ ዝበጽሖም (ኣገልግሎት ዝጀመሩ) ከም ጳውሎስውን ኣለዉ። እንተ ኾነ ግና፡ እቶም ደንጕዮም ዝተጸውዑ ካብቶም ብንግሆ ዝተጸውዑ ንላዕሊ ዓቢይ ነዚ ዘመን ዝልውጥ ኣገልግሎት ክዓዩ ከም ዝኽእሉ፡ ኣሜን ኢልና ክንቕበሎ እንተ ዘይክኢልና ነዞም ዳግማውያን ጳውሎስ ዝኾኑ ኣምላኽ ነዚ ወለዶ ክልውጡ መዲቡ ዘተንሥኦም ደገፍቲ ዘይኮነስ ዓንቀፍቲ ብምዃንና ኣምላኽ በዚ ወለዶን በቶም ቅኑዓት ኣገልገልትን ከይሓተና ከነስተውዕል ይግባእ።

ሎሚ ኣብ ቤተክርስቲያን ዝረአ መምዘኒ ጸጋኻ ዘይኮነስ፡ ኣንጊህካ ክትመጽእ ብምኽኣልካ ምዃኑ ዘኅዝን እዩ። ኣቐዲሙ ንዝመጸ ንጴጥሮስ ተቐቢልና ድኂሩ ንዝመጸ ንጳውሎስ እንተ ንዒቕና፡ መዓይይቲ እዮም እሞ ጴጥሮስ ብዘይ ጳውሎስ ኣይሠርሕን እዩ። ንጳውሎስ ክንቅበሎ ስለ ዘይከኣልና ብዙኃት ክድኅኑ፣ ካብ ግጉይ ትምህርቲ መሊቖም ክወፁ፣ ካብ ምንዝርናን ወልፍን ክላቀቑ ዝግብኦም ስነምግባሮም ዝተበላሸወ፡ ሃይማኖቶም ዘንቆልቆለ ምእመናንን ኣገልገልትን ክልወጡን ክጸንዑን ኣይክእሉን እዮም።

ኣብያተ ክርስቲያን ብበረኸት ኣምላኽ ከዕለቅልቓ፡ ገዳማትና ሕገ ጳጉሚስ ኣኽቢሮም ዝኸዱ መነኰሳት ከፍርያ፡ መምሃራንና ኣሰር ሓዋርያት ዝስዕቡ ንመናፍቕ ዝረትዑ፡ ንፍልስፍና ዝምልሱ፡ ንቤተክርስቲያን ካብ ተኹላ ዝከላኸሉ፡ ንመእመናን ዝጓስዩ፡ ንኣሕዛብ ዘእምኑ፡ ክርከቡ ዝኽእሉ በቲ ንጴጥሮስ ዝተቐበልናዮ መምዘኒ ድኂሩ ንዝመጽእ ዳግማዊ ጳውሎስውን ክንቅበሎ እንተ ኽኢልና እዩ።

መን ይኣምን እቲ ድኂሩ ዝመጽእ፡ ልዕሊ እቶም ኣብ ቤተክርስቲያን ዘመናት ዘቚጸሩ ንላዕሊ ብዙኅ ከም ዝዓየላ!!! አረ መን እዩ ኸ ዝርዳእ ቤተክርስቲያን ካብ ጴጥሮስ ንላዕሊ ጳውሎስ ከም ዝሠርሓላ!!!

ኣስተውዕሉ! ኣብ ቤተ ክርስቲያን ነዊኅ ዕድመ ዘቚጸረ ካብ ጳውሎስ ንላዕሊ ጴጥሮስ እኳ እንተ ነበረ፡ መልእኽቶም ከም ቤተ ክርስቲያን ጌርና ንውሰዶ እንተ ተባሂሉ፡ እቲ ድኂሩ ዝመጽአ ጳውሎስ ፲፬(14) ኣብያተ ክርስቲያን ክሓንጽ ከሎ፡ ኣቐዲሙ ዝመጸ ጴጥሮስ ግና ፪(2) ኣብያተ ክርስቲያን ሓኒጹ። ስለዚ ካብዞም ክልተ ናይ እምነት ኣዕኑድ ዝኾኑ ሓዋርያት ከም እንርድኦ፡ ኣብ ጽውዕኦም ዋላ እኳ ቅድምን ድኁርን ኮይኖም ናብ ኣገልግሎት እንተ መጽኡ፡ ብምትሕልላውን ብምክብባርን ነቲ መንፈስ ቅዱስ ኣብኣቶም  ዘቐመጠሎም ጸጋ ኣኽቢሮም፡ ክዓዩ ብምኽኣሎም እቲ ንቤተ ክርስቲያን ከበርክትዎ ዝግባእ ሠሪሖም እዮም፡ ኢልና ርግጸኛታት ኴንና ንዛረበሎም ኣሎና።

 ኣውጎስጢኖስ ንጐይታ ከምዚ ክብል ተዛሪብዎ ነይሩ፡ “ካብ ዘመናተይ ኣዝየ ደንጉየ እየ ፈሊጠካ። ንሱ ካብ ብዙኃት ሚሊዮናት ዝዓበየን ዝበለጸን ልዑል እዩ፣ ቅድሚኡ ዝነበረ  ኸ መን እዩ! ኣነ ግና ኣብ ጊዜ ሽምግልናይ እየ ኣፍቂረካ።” ኢሉ ዋላ እኳ እንተ ተዛረበ ብዙኅ ሥራሕ ሠሪሑ ኃሊፉ እዩ።  ካብዛ መጽሓፍ ካብ ገጽ 64-66 ዚተወስደ

ዲያቆን አስመላሽ ገብረ ሕይወት

Monday 19 December 2016

መስቀልውን ኦም ሕይወት እዩ

ራእይ ዮሐንስ 22 

ማይ ሕይወትን ኦም ሕይወትን

ከም ክሪስታል ዝምጽራዩ ርባ ማይ ሕይወት ከኣ ኣርኣየኒ፡ እዚ ኻብቲ ናይ ኣምላኽን ናይቲ ገንሸልን ዝፋን እናወፀ፡ ብማእከል እቲ ኣደባባይ ይውሕዝ። ነቲ ርባ ብኽልተ ጎቦኡ ድማ ኣብ ወወርኂ እናፈረየት ዓሠርተው ክልተ ፍረ እትህብ ኦም ሕይወት ኣላ። ቈጽሊ እታ ኦም እቲኣ ኸኣ ፈውሲ ሕዝብታት ኰይኑ አሎ /1-2/

ማይ ሕይወት

ቅዱስ ኣምብሮስ፦“ርባ ማይ ሕይወት ዚተባህለ መንፈስ ቅዱስ እዩ። ብወልድ ዚኣመነ እንተዘይኮይኑ ማንም ኪሰትዮ ዘይክእል እዩ’ሞ። ንሱ “ዚጸምአ እንተሎ ናባይ ይምጻእ እሞ ይስተ፡ ብኣይ ዚኣምን መጽሓፍ ከም ዚበሎ ኣብ ውሽጡ ርባታት ማይ ሕይወት ኪውኅዝ እዩ” (ዮሐ 17፡38) ንሱ ካብ ኣብ ዚወፀ ኣብ ወልድውን ዚነብር ናይ ኣብ ናይ ወልድን መንፈስ እዩ። ወልድ ንመንፈስ ቅዱስ ካብ ኣቦ ለኣኸልና። ንኪቕድሰና ንኸንጽሓና ንኪግሥፀና ክሳዕ ሰማያዊ መርዓ ንኺመርሓና: ንሱ ነታ መርዓት ዘስተየ ሎሚውን እንተኾነ ዘስትያ ዘሎ ዘለዓለማዊ ዘስቲ ማይ ሕይወት እዩ”ብምባል ተርጕሙ ኣሎ።
ንጉሥ ዳዊት “ወሓይዙ ንከተማ እግዚአብሔር ዘሐጉስ እዩ፡ ልዑል መኅደሪኡ ቀደሰ። እግዚአብሔር ኣብ ማእከላ እዩ ሞ ኣይትናወጽን እያ።(መዝ 46፡4) ብምባል ከም ዚተዛረቦ መንፈስ ቅዱስ ናይ ዘለዓለም ማይ ከስትዮም ይነብር። ስለ’ዚ ኣይጠምዩን ኣይጸምኡን። እዚ ወሓዚ እዚ ብዕለተ ጥምቀት ኪፈስስ ይጅምር። ዚተጠመቕናን ውልድነት ዚረኸብናን ብኡኡ እዩ። ብጊዜ ጥምቀት ብመጠኑ ሰቲና ኣብ መንግሥተ ሰማያት ግና ደጊምና ከም ዘይንጸምእ ኴንና ኪንሰቲ ኢና።

 ኦም ሕይወት 

ኦም ሕይወት ዚተባህለ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ። ኣባ ኤፍሬም:-ኣብ ውዳሴ ማርያም “ካብ ዕፀ ሕይወት ንኺንበልዕ ዓደለና ንሱ ድማ ቅዱስ ሥጋኡን ክቡር ደሙን እዩ” ብምባል ተዛሪቡ እዩ። ኣብ ገነት ካብ ዘሎ ዕፀ ከይንበልዕ ተኸልኪልና ኔርና ሕጂ ግና ካብኡ ዚበልጽ ረኸብና።

ኦም ሕይወት  ኣይትኣርግን እያ፡ ፍረ ምሃብ ውን ኣይተቋርጽን፡ ናይ ክርስቶስ ሥጋን ደምን ውን ኣይትኣርግን እያ መንፈሳዊ ፍረ ካብ ምሃብ ውን ንዘለዓለም ኣየቋርጽን። ንሱ ዘለዓለማዊ ስለ ዚኾነ ዚተመገብዎ ኵሎም ንዘለዓለም ኪነብሩ እዮም። 
መጽሓፈ ምሳሌ ብዛዕባ ጥበብ ኪዛረብ ከሎ “ንዓኣ ንዚኅዝዋ ኦም ሕይወት እያ” /ምሳ 3፡17/ ይብል። ጥበብ ዚተባህለ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ። ኦም ሕይወት ውን ንሱ እዩ።

ቲቆን ኣፍሪቃዊ “ዕፀ ሕይወት ዚተባህለ ቅዱስ መስቀል እዩ” ኪብል ተርጕምዎ ኣሎ። ካብኡ ኵሉ ዓይነት ደስ ዘብልን ምቁርን ናይ መንፈስ ፍሬታት ተቐቢልና ኢና ። ኣባ ኤፍሬም ውን ንልደት ናይ ጐይታና ኣብ ዚደረሶ መዝሙሩ “መስቀል ዕፀ ሕይወት እዩ”  ኢሉ ኣሎ።

ኣባ ሄሮኒመስ “ኦም ሕይወት ዚተባህለ ቃለ እግዚአብሔር እዩ” ብምባል ተርጕምዎ ኣሎ። እዚ ኦም እዚ ፍረን ቆጽልን ኣለዎ። ቆጽሊ ዚተባህለ ንባቡ ኪኸውን ከሎ፡ ፍረ ዚተባህለ ድማ ትርጓሜኡ ምሥጢሩ እዩ። ዝኾነ ሰብ ንመጽሓፍ ቅዱስ ንባቡ ጥራይ ዘንብብ እንተሎ ቃሉ ጥራይ እዩ ዚረክብ፡ ብመንፈስ ዘንብብ እንተሎ ግና ናይ ትርጓሜኡ ፍረ ይበልዕ። ናይታ ኦም ኣቑጽልቲ ኣይቅምስልን እዩ። ቃለ እግዚአብሔር ድማ ኵሉ ጊዜ ተነቢቡ ኣይስልቹን ኣይውዳእን ኣይጽገብን ድማ እዩ። ኣቡቀለምሲስ ዚረኣዮ ሓደ ዚተዘርግሐ ኦም እዩ። ብዙኃት ኣእዋም ኣይኮኑን። እዚ ኦም ነቲ ሩባ ኣብ ክልተ ጐቦኡ ኣሎ። ብሉይን ሓድሽን ዚሃበ መንፈስ ቅዱስ እዩ። ብቅዱሳት መጻሕፍቲ ኣቢሉ ንሕዝቡ ዚመገበ መንፈስ ቅዱስ እዩ። ኣብ ዚኾነ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ክፍሊ እንተተጻሕፈ ዘመኑ እንተ ተፈላለየ፡ እቲ ኦም ግና ሓደ ኦም እዩ። እዚ ወኃዚ ካብቲ ዝፋን ናይቲ በጊዕ ዚወፅእ እዩ። ናይ ቅድሳት መጻሕፍቲ ምሥጢርውን ካብ እግዚአብሔር ዚተረኸበ እዩ። 

ኣብ ክልተ ስግር እቲ ሩባ ኣብ ብሉይን ሓድሽን ተተኺሉ ዘፍረየ ኦም ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ። 12 ፍረ ዚተባህሉ ሐዋርያት እዮም። እዚ ፍረ እዚ ብሐዋርያት ኣቢልና እንተዘይኮይኑ ኪንምገቦ ኣይንኽእልን ኢና። ኣብ መሠረት ሐዋርያት ምምሥራት ኣብ ትምህርተ ሐዋርያት ምንባር ብናይ ሐዋርያት ትውፊት ኪንምራሕ ኣለና”  ብምባል ይትርጉሞ።

ኣፕሪንግየስ ዘቤጃ ዚተባህለ ሊቅ፦“ኣብ ክልተ ጎቦ እቲ ሩባ ዘለዉ፡ ነገረ ድኅነትና ዚተጻሕፈሎም ብሉይን ሓድሽን ኪዳን እዮም። ይብል። “ኣብቲ ሥግር ርባ ኦም ሕይወት ኣሎ፡ ኣባታቶምውን ናይቲ ኦም ሕይወት ዚተባህለ ነገረ ክርስቶስ ተገሊጹ ኣሎ። ብእኡ ሕያዋን ኢና እሞ ንንቀሳቐስ ንነብር ኣለና” (ግ.ሐ 17፡28) ከም ዚተባህለ። ኣቑጽልቲ ዚተባህሉ ትምህርታቱ እዮም። 12 ኣዋርኅ ድማ 12 ሐዋርያት እዮም። ጐይታና ዚተፈተወ ናይ እግዚአብሔር ዓመት እዩ እሞ”(ኢሳ61፡2) በዚ ዓመት እዚ ዘፍርዩ ኣእዋም ድማ ሐዋርያት እዮም”  ይብል። 

ኦኩሜንየስ ዚተባህለ ሊቅ፦“ኦም  ክርስቶስ እዩ፡ ኣቑጽልቱ ድማ ኣብኡ ዚተደገፉን ኣብኡ ዚነብሩን ኣበው ነቢያት ሐዋርያት ሰማዕታት ጻድቃን ካህናትን መምሃራንን እዮም። ንሳቶም ሎሚ ውን ንነፍሳት ይፍውሱ እዮም። ንዘለዓለም ድማ ከፍርዩ ይነብሩ”  ይብል።

እንድርያስ ዘቂሣርያድማ፦ “ቆጽሊ ዚተባህለ ቃለ እግዚአብሔር ምፍላጥ እዩ። ፍረ ድማ በብዘመኑ ዝግለጽን ንመጻኢውን ክግለጽ ዝነብርን ሓቀኛ ትርጉም እዩ። ኣቚጽልቱ ፈውሲ ሕዝብታት እዮም። ቃለ እግዚአብሔር ምፍላጥውን ካብቲ ብዘይ ምፍላጥ ዝመጽእ ኵሉ ሕማማት ይፍውስ ” ይብል።

12 ኣዋርኅ 

ነቲ ርባ ብኽልተ ጎቦኡ ድማ ኣብ ወወርኂ እናፈረየት ዓሠርተው ክልተ ፍረ እትህብ ኦም ሕይወት ኣላ። ቈጽሊ እታ ኦም እቲኣ ኸኣ ፈውሲ ሕዝብታት ኰይኑ አሎ። ድኅሪ ደጊምሲ መርገም ከቶ ኣይኪኸውንን እዩ፡ ናይ ኣምላኽን ናይቲ ገንሸል ዝፋን ኣብኡ ኪኸውን እዩ፡ እቶም ባሮቱውን ኬገልግልዎ  /2-3/

ቊጽሪ 12 ናይ ደቂ እግዚአብሔር ቊጽሪ እዩ። ኣብ ብሉይ ናይ እስራኤል ኣበው ኣብ ሐዲስ ድማ ናይ ሐዋርያት ቊጽሪ 12 እዩ።

ናይ ቤተ ክርስቲያንና መተርጉማን “ነፍሲ ወከፍ ወርኂ 12 ፍረ የፍሪ በለ፡ ብስብከት ናይ 12 ሐዋርያት ይውረስ ማለቱ እዩ” ብምባል ይትርጉምዎ ።.... ኣብ ቀረባ እዋን ካብ እትዝርጋሕ መጽሓፍ ትርጓሜ ራእይ ዮሐንስ ካብ ገጽ 419 ዚተወስደ

Sunday 18 December 2016

፫ ታኅሳስ በአታ ለማርያም (ናይ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ናብ ቤት መቕደስ ምእታዋ 6ይ ክፋል)

ናይ ኢየሩሳሌም ጳጳስ ቅዱስ ቄርሎስ ኣብ ድርሳኑ  ናይ እመቤትና ናይ ቤተ መቕደስ ሕይወት ክገልጽ እንከሎ  “They (i.e Joachim and Anna) were in the habit of visiting their daughter once each month,…’’ ( ንሳቶም (ኢያቄምን ሐናን) ንጓሎም ኣብ ወርኂ ሓደ ጊዜ ናይ ምርኣይ ልማድ ነበሮም፡ ንዓኣ ዘድልዮም ነገራት ኂዞም ይመጹ ነበሩ።ንሳ እታ ንእሽተይ ድንግል ጓሎም ምስተን ካብኣ ብዕድመ ዝዓብያ ደናግል ኣብ ቤተ መቕደስ ገልግል ነበረት። ንሳተን ድማ ከመይ ገይራ ብኣእዳዋ ኪትሠርሕ ከም ትኽእል ይምህራኣ ነበራ። ንሳ ዓብያ ኵሉ ምስ ፈለጠት ባዕላ ናብቲ ናይ ቤተ መቕደስ ኣደባባይ ክትከይድ ከላ ብዘይካ ካህናትን ኣቦኣን ዝኾነ ወዲ ርእይዋ ኣይፈልጥን....እታ ንእሽተይ (ብዕድመ) ድንግል ማርያም ኣብ ቤተ መቕደስ ነበረት ናይ መላእኽቲ ሓለቓ ቅዱስ ገብርኤል ብጥዑም መኣዛኡ ናብኣ ቀረባ... ናታ መልክዕ ዋላ ሓንቲ ደረት ኣይነበሮን፡ ካብ ጥዑም መኣዛኣ ዝተላዕለ ቤተ መቕደስ ብመላእኽቲ ይምላእ ነበረ፡ ንዘረባኣ ክብሉ ጥራይ ይበጽሑዋ ነበሩ) ብምባል ናይ ቤተ መቕደስ ሕይወታ ብዕምቆት ይገልጾ። 

ካብቶም ናይ ወርቃዊ ዘመን ሊቃውንት ዝበሃሉ ዝጥቀስ ቅዱስ ኣትናቴዎስ “መልእኽቲ (ደብዳቤ) ንደናግል (Letter to Virgins) ኣብ ዝብል ጽሑፉ ናይ እመቤትና ቅድስት ድንግል ማርያም ናይ ቤተ መቕደስ ሕይወታ ንዅለን ደናግል ኣርኣያ ወይ ምሳሌ ከም ዝነበረ ክገልጽ እንከሎ  “Mary was pure virgin, with a harmonius disposition…” (ማርያም ንጽሕት ድንግል ኮይና ኣዝዩ ጽቡቕ መርገጺ ዝነበራ ጽቡቕ ተግባራት እትፈቱ ነበረት። ብኣወዳት ክትርአ ፈጺማ ኣይትፈቱን ነበረት፡ ...። ብዘይ ምቁራጽ ኣብ ቤቱ ነበረት፡ ናብራ ናይቲ ካብ ጸወታ ዝረሓቐ ሰብ ዝነበረት ኪትከውን ከላ፡ ምስታ መዓር እትህብ ንህቢ ትመሳሰል። ብኣእዳዋ ካብ ዝሠርሓቶም ሥራሓት ዝረኸበቶ ገንዘብ ንድኻታት ተካፍል፡ ንብሕታ ክልተ ነገራት ንኽገብረላ ናብ እግዚአብሔር ትጽሊ፡ ንሱ ድማ ክፉእ ሓሳብ ኣብ ልባ ንኸይሰርጽን ልባ ካብ ፍቕሪ ኣምላኻዊ ፈጺሙ እናዛሕተላ ንኸይመጽእን እዩ። ዘረባኣ ዝተረጋግአ ድምፃውን ህድእ ዝበለ ነበረ፡ መዓልቲ መዓልቲ ድማ መንፈሳዊ ስጉምቲ (ብቕዓታዊ ምምኅያሽ ዕብየት) ክትገብር ትደሊ፡ መዓልታዊ ድማ ከምኡ ትገብር። ንግሆ ኺትትንሥእ እንከለ ካብቶም ቅድሚ ሕጂ ዝሠርሓቶም ሥራሓት ዝያዳ ኪትሠርሕ ትደሊ፡ ሞት ድማ ፈጺማ ኣይትፈርህን ነበረት። እኳ ደኣ ብኃዘን ኮይና ናይ መንግሥተ ሰማያት መጀመርያ (መእተዊ) ከም ዘየቋረጸት መዓልታዊ እናረኣየት ኣብ ጸሎታ ተልዕሎ) ብምባል ናይ ደናግል መመክሒት ምዃና ብስፍሓት ይገልጽ። ነቢይ ዳዊት ኣብ መዝ 92፡12 ጻድቃን ከም ስየ ይልምልሙ ከም ጽሕዲ ሊባኖስ ይኣብዩ ንሳቶም ከምቲ ኣብ ቤት እግዚአብሔር ዝተተኽለ ኦም ኣብ ኣጸድ ኣምላኽና ይልምዑ” ብምባል ቅዱሳን ኣብ ቤተ እግዚአብሔር ከም ዝነብሩ ኣብ ምስጋናኡ ከም ዝገለጸ፡ እታ ቅድስተ ቕዱሳን እመቤትና ኣብ ቤተ መቕደስ ብንጽሕናን ብቕድስናን ነበረት።

ካብ ናይ መጋቤ ሐዲስ ሮዳስ ታደሰ መጽሓፍ ዝተረኽበ
በቅድስት ሥላሴ መንፈሳዊ ኮሌጅ የሐዲሳት መምህር

Saturday 17 December 2016

፫ ታኅሳስ በአታ ለማርያም (ናይ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ናብ ቤት መቕደስ ምእታዋ 5ይ ክፋል)

ናይ ኣንጾኪያ ሊቀ ጳጳስ ዲሜጥሮስ  ኣብ ናይ ክርስቶስ ልደት ኣብ ፳፱ (29) ታኅሣሥ  ኣብ ዝንበብ ድርሳኑ ናይ እመቤትና ናይ ቤተ መቕደስ ሕይወታ ክምህር እንከሎ “At the moment when her mother Anna set her upon her feet, inside the door of the temple…” ( ኣዲኣ ሐና ኣብ ቅድሚ ካህናት ኣብ ኣፍ ደገ ናይ ቤተ መቕደስ ንዓኣ ደው ምስ ኣበለታ፡ ባዕላ ናብቲ ንጐይታ መሥዋዕቲ ዝቐርበሉ፡ ናብቲ ናይ መሠውዒ መጋረጃ ናብ ቤተ መቕደስ ክሳዕ ትበጽሕ ከደት፡ ምስ ኣተወት ድማ ንምውፃእ ኣይተመልሰትን፡ ብልቦናኣውን ናይ ቤተ ሰባ ሓሳብን ምድራዊ ነገራትን ፈጺማ ኣይሓሰበትን።....ምስዓበየት ሾሞንተ - ዓሠርተ ዓመት ምስ መልኣ ንዅሎም ካህናት ኣብነት (ምሳሌ) ነበረት፡ ንዓኣ ንምርኣይ ከኣ ይፈርሁ ነበሩ። መላእ ሰብነታ ንጹሕ ነበረ ልቦናኣውን ብጐይታ ዝጸንዐ እዩ። ብሥጋኣን ብነፍሳን ንጽሕቲ እያ። ገጻ ድማ ካብ ኣፍ ደገ ቤተ መቕደስ ወፃኢ ፈጺማ ኣየዘረትን። ጋሻ ሰብውን ፈጺማ ኣይረኣየትን፡ ገጽ ናይ መንእሰይ ንምርኣይውን ገጻ ኣየዘረትን። ብቕድስና ንእግዚአብሔር ብምግልጋል ኣብ ቤተ መቕደስ ብምልእኣኽ ደኣ ነበረት። ክዳና ጽቡቕን ክሳዕ ታሕቲ ዝወረደን ኮይኑ፡ ናይ ርእሳ መሸፈኒ ድማ ክሳዕ ኣዒንታ ይበጽሕ፡ ኣብ ኣዒንታ መጸባበቒ ሕብርታት ዝበሃል ፈጺማ ኣይተጠቕመትን። ኣብ ምዕጉርታውን ዋላ ሓደ ዓይነት ናይ መጋየጺ ዕምበባ ኣይገበረትን፡ ኣብ ኣእጋራውን ሰንደል ኣይገበረትን፡ ኣብ ኣእዳዋ ኣምባር ወይ ካልእ መጋየጺ ኣይገበረትን፡ ካብ ልክዕ ዝኃለፈ መግቢ ፈጺማ ብሂጋ ኣይትፈልጥን፡ ኣብ ዕዳጋታት ናይታ ኸተማ ፈጺማ ተዛዊራ ኣይትፈልጥን። ነዚ ናይ ዓለም ሥራሓት ፈጺማ ብሂጋ ኣይትፈልጥን፡ ፈጺማ ነብሳ ዕራቖታ ንምዃን ኣጋሊጻ ኣይትፈልጥን፡ ከምኡወን ንክፍሊ ኣካላት  ፈጺማ ብጥንቃቐ ኣተኲራ መርሚራ ኣይትፈልጥን) ብምባል ኣብ ቤተ መቕደስ ብፍጹም ትሕትናን ቅድስናን ከም ዝነበረት መስኪሩ እዩ።

እስክንድርያዊ ቅዱስ ቄርሎስውን ቅዱስ ገብርኤል ንእመቤትና  ቅድሚ ምብሣሩ ዝነበራ ናይ ትሕትና ሕይወት ንዝተኣከባ ደቂ ኣንስትዮ ክምህር ከሎ፡ “Come, O all ye women who desire virginity…” (ድንግልና እትደልያ ደቂ ኣንስትዮ  ኵላትክን ናይታ ኣደ ጐይታና ዝኾነት ማርያም ኣብነት ተኸተላ። ናታ መገዲ ዝተናዕቀ መግቢ ምብልዓን ኣብ መሬት ምድቃሳን ዘክራ፡ ነዞም ኣብዚ ዓለም ዘለዉ ነገራት ዋላ ሓንቲ ህርፋን ስለ ዘይብላ፡ ናታ ስም ኵሉ ጊዜ ኣብ ኣፍ ናይ ካህናት ነበረ። ሰብነታ ፈጺማ ኣብ ናይ ሕዝቢ መሕጸቢ ተሓጺባ ኣይትፈልጥን፡ ንኣካላታ ድማ ብዝኾነ ይኹን መጸባበቒ ሕብርታት፡ ብዅሕልን ቅብኣትን ፈጺማ ኣጸባቢቓ ኣይትፈልጥን። ከምተን ኣዝዩ ዘጌጸ ኽዳን ዝፈትዋ ናይ ዘመና ኣዋልድ ድሙቕ ሕብርታት ዘለዎ ክዳን ተኸዲና ኣይትፈልጥን። ወይኒ ብፍጹም ጥዒማ ኣይትፈልጥን። ኵሉ ጊዜ ነቲ ዓለማት ዝፈጠረ ፈጣሪኣ  ትጽበ ስለ ዝነበረት፡ ገጻ ናብ ምብራቕ ኣቢላ ትቕመጥ ነበረት። ምስ ኣቦኣን ኣዲኣን እንተ ዘይኮይኑ ምስ ዋላ ሓደ ኣዕሊላ ኣይትፈልጥን ነበረት) ብምባል ናይታ ናይ ደናግል መመክሒተን ዝኾነ ናኢ እመቤትና ናይ ቤተ መቕደስ ሕይወት ንንጹሓን ደናግል መሃሪ ከም ዝነበረ ብሰፊሑ ገሊጽዎ ኣሎ።

Friday 16 December 2016

፫ ታኅሳስ በአታ ለማርያም (ናይ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ናብ ቤት መቕደስ ምእታዋ 4ይ ክፋል)

አባ ሕርያቆስውን ብተመሳሳሊ መልክዑ ኣብ ቅዳሴ ማርያም መጽሐፉ  “ድንግል ክሳደን ከም ዘግዘፋ ኣዋልድ ዕብራውያን ብባልትን ብጻውትን ዝዓበኺ ኣይኮንክን፡ ኣብ ቤተ መቕደስ ብቕድስናን ብንጽሕናን ደኣ ነበርኪ። ከምኡውን ግዙፋነ ልብ ከም ዝኾና ከም ኣዋልድ ዕብራውያን ብባልትን ብጻውትን ዝዓበኺ ኣይኮንክን ብቕድስናን ብንጽሕናን ደኣ ኣብ ቤተ መቕደስ ነበርኪ። ኦ ድንግል ምድራዊ እንጌራ ዝተመገብኪ ኣይኮንክን። ከምኡውን ዝተመገብክዮ ምድራዊ ኅብስቲ ኣይኮነን። ካብ ሰማያዊ ኅብስቲ ደኣ ተመገብኪ። ኦ ድንግል ዝሰተኽዮ ምድራዊ መስተ ኣይኮነን! ካብ ሰማየ ሰማያት ዝወረደ መስተ ደኣ ሰተኺ።ኦ ድንግል ከምተን ቅድሜኽን ድኅሬኽን ዝኾና ኣንስቲ ዓለማዊ ርስሓት እትፈልጢ ኣይኮንክን። ብንጽሕናን ብቕድስናን ደኣ ፀኒዕኪ ነበርኪ። ኦ ድንግል ተድላ ዓለም ጣዕሚ ዓለም ዝሸፈጦም ኣጋንንቲ ብውዳሴ ኸንቱ ዘታለልዎም ኣጓብዝ ኣይኮኑን ዘራጋግኡኺ፡ መላእኽተ ሰማይ ደኣ በጽሑኺ ኣፃናንዑኺ። ኣብ ነገረ ማርያም ከም ዝተጻሕፈ ካህናትን ሊቃነ መላእኽትን ደኣ ኣመስገኑኺ..” ብምባል እመቤትና ኣብ ቤተ መቕደስ ዝነበረትሎም ዓሠርተው ክልተ ዓመታት ዝተገብረላ ድንቂ ሥራሕ ይገልጾ።

እመቤትና ናብ ቤተ መቕደስ ከመይ ኢላ ከም ዝኣተወትን ከመይ ኢላ ኣብኡ ከም ዝነበረትን ቀዳሞት ናይ ቤተ ክርስቲያን ሊቃውንት ብዕምቆት ጽሒፎም እዮም። ሓደ ካብኣቶም ዝኾነ ናይ ቆጵሮስ ሊቀ ጳጳስ ቅዱስ ኤጲፋንዮስ ናይ ቤተ መቕደስ ቅድስናዊ ኣነባብራኣ ክጽሕፍ ከሎ፡ “She was grave and dignifified in all her action…” (እመቤትና ኣብ ኵሉ ስጉምታታ ንፍዕትን ዝተኸበረትን ነበረት፡ ዘረባኣ ኣዝዩ ውሑድ ኮይኑ ንሱውን ንኽትዛረብ ኣገዳሲ ኣብ ዝኾነሉ ጥራይ እዩ። ኣዝያ ቅርብቲ ኮይና እትሰምዕን ብቐሊሉ ንምዝራብ እትኽእልን ነበረት፡ ንነፍሲ ወከፍ ሰብ ኣኽብሮትን ሰላምታን ትህብ። ቁመታ ማእከላይ ኮይኑ ሓደ ሓደ ሰባት ግና ቁመታ ንውኅ ዝበለት ከም ዝነበረት ይዛረቡ። ምስ ኵሉ ሰብ ብዘይ ዋላ ሓደ ፍርሃት ብግሉጽነት ብዘይ ዝኾነ ይኹን ሰሓቕን ጫውጫውታን ትዛረብ፡ ብፍላይ ፈጺማ ንቚጥዓ እትጋብዝ ኣይነበረትን። መልክዓ ከም ዝበጽሐ ናይ ስርናይ ኣዝመራ ዝጸበቐ፡ ጸጕራ ድማ ቅይሕ ዝበለ እዩ። ኣዒንታ ብሩሃት ኅብሮም ፍዝዝ ዝበለ ቡናዊ ኮይኑ፡ ብሌን ኣዒንታ ድማ ቀጠልያ ይመስሉ፡ ሸፋሽፍቲ ኣዒንታ ከፊል ክቢ ከምኡውን ድሙቓት ጸለምቲ እዮም። ኣፍንጫኣ ንውኅ ዝበለ፡ ከናፍራ ቀያሕትን ምሉኣትን ብምቁር ቃላታ ዘዕለቕለቑ ነበሩ። ገጻ ክቢ ዘይኮነ ናይ እንቋቚሖ ዓይነት ቅርጺ ነበሮ። ኣእዳዋ ነዋኅቲ ኣጻብዕታ ድማ ኣዝዮም ነዋኅቲ ነበሩ። ካብ ዝኾነ ዓይነት ዘይግባእ ኩርዓት ምሉእ ብምሉእ ዝነጽሐት ኮይና፡ ሸለልትነት ከኣ ፈጺሙ ኣይነበራን፡ ንዝመጹ ነገራት ብፍጹም ትሕትና ትቕበል ነበረት። ተፎጥሮኣዊ ኅብርታት ዘለዎም (ማለት ኣብ ቤት ማእለማ ዝተሠርሑ) ክዳውንቲ ትኽደን ነበረት። እዚ ድማ እቲ ኣዝዩ ምስኣ ዝኸይድ ኣከዳድና እዩ...... ንምጥቕላል ዝኣክል  ብኹሉ መገድታታ ብመለኮታዊ ጸጋ ዝተመልአት ነበረት።

Thursday 15 December 2016

፫ ታኅሳስ በአታ ለማርያም (ናይ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ናብ ቤት መቕደስ ምእታዋ 3ይ ክፋል)

እመቤትና ቅድስት ድንግል ማርያም ካብ ኣቦኣን ኣዲኣን ተፈልያ ኣብ ቤተ መቕደስ ከም እትዓቢ ነቢይ ዳዊት ብመንፈስ ቅዱስ ኣቐዲሙ ተገሊጽሉ ኣብ መዝ 45፡9-11 “ኣዋልድ ነገሥታት ኣብ ማእከል እተን ክቡራት ኣንስትኻ እየን፣ እታ ንግሥቲ ብወርቂ ኦፈር ተሰሊማ፣ ኣብ የማንካ ትቐውም ኣላ። ጓለየ፣ ስምዒ፣ ርአዪውን፣ እዝንኺ ኸኣ ኣድንኒ፣ ሕዝብኽን ቤት ኣቦኽን ረስዒ። ንጉሥ ንውብነትኪ ይብህጎ፣ ንሱ ጐይታኺ እዩ እሞ ስገድሉ” ብምባል ዝተዛረቦ ትንቢት ንኽፍጸም እግዚአብሔር  እታ ኣማናዊት መቕደስ ናብታ ምሳኣ ዝኾነት ቤተ መቕደስ ከም ትኣቱ ገበረ።

 ኣብ ቤተ መቕደስ ብንጽሕና ንእግዚአብሔር እናገልገሉ ብዛዕባ ዚነበሩ መጽሓፍ ቅዱስ ብብዝኂ ዝነግረና ኪኸውን ከሎ፡ ካብዚኣቶም ኣብ ናይ ብሉይ ኪዳን መጻሕፍቲ እቲ ምስ ተወለደ ብመብጽዓ ተዋሂቡ ናይ እግዚአብሔር ኣገልጋሊ ኾይኑ ኣብ ቤተ መቕደስ ዝዓበየ ሳሙኤል ኪጥቀስ ይከኣል። ኣብ ናይ ሓድሽ ኪዳን መጻሕፍቲ ድማ እታ ካብ ወገን ኣሴር ዝኾነት፡ ነቢይት ሐና ጓል ፋኑኤል ካብ ድንግልናኣ ጀሚራ ምስ ሰብኣያ ሾብዓተ ዓመት ምስ ነበረት ንሰማንያን ኣርባዕተን ዓመት ዝኣክል መበለት ኮይና ኣዝያ ኣሪጋ እንከላውን ብጾምን ብጸሎትን ለይትን መዓልትን እናገልገለት ካብ መቕደስ ከይተፈለየት ከም ዝነበረት ተጻሒፉ ነንብብ /1ይ ሳሙ 2፡18 ሉቃ 2፡36-37/።

እዛ ኣማናዊት ናይ ኣምላኽ መቕደስ ዝኾነት እመቤትናውን ናብታ ምሳሌኣ ዝኾነት ቤተ መቕደስ ካብ ትኣቱ ጀሚራ መላእኽቲ እናረጋግእ ካህናት እናመስገኑዋ ኅብስት ሰማያዊ እናመገብዋ ጽዋዕ ሰማያዊ እናስተዩዋ ንዓሠርተው ክልተ ዓመታት ዝኣክል ኣብ ቤተ መቕደስ ከም ዝተቐመጠት እቲ ኣብ 505 ዚተወልደ ዓቢይ ሊቅ ቅዱስ ያሬድ ኣብ አንቀጸ ብርሃን ኪገልጽ ከሎ፦ “አንቲ ውእቱ ንጽሕት እም ንጹሓን ድንግል ኅሪት ዘነበርኪ ውስተ ቤተ መቅደስ ከመ ታቦት ዘግቡር እምዕፅ ዘኢይነቅዝ ሥርግውበወርቅ ንጡፍ ወልቡጥ በዕንቈ ባሕርይ ዘየሐቱ ዘብዙኅ ሤጡ ከመዝ ነበርኪ ውስተቤተ መቅደስ ወመላእክት ያመጽኡ ወትረ ሲሳየኪ ከመዝ ነበርኪ ፲ተ ወ፪ተ ዓመተ እንዘ ትትናዘዚ እምኀበ መላእክት ስቴኪኒ ስቴ ሕይወት…”  ንስኺ ካብተን ንጹሓን ንጽሕቲ ኢኺ፤ ኅርይቲ ድንግል ኣብ ቤተ መቕደስ ዚተቐመጥኪ።ንስኺ ከምቲ ካብ ዘይቊንቊን ዕንፀይቲ ዝተገብረ ታቦት፡ ብጽሩይ ወርቂ ዝተለበጠን ዝተሸለመን ብዙኅ ዝዋጋኡ ዘብርህ ባኅርያዊ ዕንቊ ኢኺ። ከምኡ ድማ መላእኽቲ ኵሉ ጊዜ መግብኺ እናምጽኡልኪ ኣብ ቤተ መቕደስ ነበርኪ ከምኡውን መላእኽቲ እናተጸናናዕኪ ንዓሠርተው ክልተ ዓመት ነበርኪ። መስተኺ መስተ ሕይወት እዩ መግብኺ ድማ ሰማያዊ ኅብስቲ እዩ፡ ኣቦኺ ዳዊት ብመሰንቆ ዘመረ፡ ብመንፈስ ትንቢት ድማ ከምዚ እናበለ ቃነየልኪ ጓለየ ስምዒ ርኣዪ እዝንኺ ጽን ኣብሊ ስድራ ቤትክን ቤት ኣቦኽን ረስዒ፡ ንጉሥ ግርማ መልክዕኪ ፈትዩ እዩ እሞ፡ ንሱ ጐይታኺ እዩ ንዕኡ ከኣ ክትሰግዲ ኢኺ..” ብምባል ነቲ ኣብ ቤተ መቕደስ እንከላ ዝተብረ ተአምር ኣድነቐ /መዝ 45፡/

Wednesday 14 December 2016

ናይ ቅዱስ ዮሐንስ ኣፈወርቅ ሕይወቱን ትምህርቱን መበል 18 ክፋል


6. ናይ መጀመርያ ስደት፦ ቴዎፍሎስ ዘእስክንድርያን ቅዱስ ዮሐንስ አፈወርቅን


ቅዱስ ዮሐንስ አፈወርቅ ነቶም ስደተኛታት መነኰሳት ብርኅራኄን ብኣኽብሮትን እኳ እንተ ተቐበሎም፡ ካብ ምሥጢራተ ቤተ ክርስቲያን ክቕበሉ ግና ኣይፈቐደሎምን። ምኽንያቱ ብናይ ቤተ ክርስቲያን ቀኖና መሠረት ብሓደ ናይ ሃገረ ስብከት ጳጳስ ዚተሰደደን ዚተኸሰሰን ሰብ ጉዳዩ ኣብ ካልእ ጉባኤ ተራእዩ ከይተወሰነ ካብ ምሥጢራት ከም ዝካፈል ምግባር ኣይግባእን እዩ። ንቴዎፍሎስ ድማ ብዛዕባ ናይ እግዚአብሔር መለኮታዊ ባሕርይ ዘለዎም እምነትን ኣተሓሳስባን ብሓፈሻ እምነቶም ኦርቶዶክሳዊ ብምዃኑ ንኽቕበሎም፡ ኦርቶዶክሳውነቶም ዘይኣምን እንተ ኾይኑ ድማ በዚ ጉዳይ ክኸሶም ዝኽእል ሰብ ንኽልእኽ መልእኽቲ ሰደደሉ። ቴዎፍሎስ ግና ንዅሉ ነገር ኣይቅበልን እየ በለ።

ቴዎፍሎስ ኣብ ክንዲ ርግእ ኢሉ ዝምለስ እናገደዶ ከም ዝኸደ ዝተረድኡ ስደተኛታት መነኰሳት ግና  ዝበጽሖም በደልን ከምኡውን ቴዎፍሎስ ፈጺሙዎ ዝብሉዎ ኣዝዩ ከቢድን ብዙኅን ወንጀላት ብምዝርዛር ከሰሱዎ። ብድኅርዚ ናብ ንጉሥን ናብ ንግሥትን ከይዶም፡ ክሶም ንመንግሥቲ ኣቕረቡ። ንሓቅን ንፍትሕን ስለ ዝጥንቀቕን ንዋላ ሓደ ድማ ስለ ዘይፈርሕን ናቱ ምህላው ፍትሓዊ ፍርዲ ንምርካብ ይኅግዘና እዩ ኢሎም ስለ ዝሓሰቡ ኸኣ እቲ ጉዳይ ቅዱስ ዮሐንስ አፈወርቅን እቲ ንጉሥን ኣብ ዘለዉዎ ንኽረኣየሎም ሓተቱ። ኣብዚ ጊዜ እዚ ቴዎፍሎስ ፍቓደኛ ይኹን ኣይኹን ናብ ናብ ቁስጥንጥንያ ንኽመጽእን ብዛዕባ እቲ ተኸሲሱሉ ዘሎ ጉዳይ፡ ኣብ ቅድሚቲ ብቕዱስ ዮሐንስ አፈወርቅ ዝምራሕ ሲኖዶስ ቀሪቡ መልሲ ንኽህብ ዝብል ትእዛዝ ተኣዘዘ። ነዚ ንምፍጻም ድማ ሓደ መራሒ ኃይሊ ናይ ወተሃደራት ንቴዎፍሎስ ንምምጻእ ናብ እስክንድርያ ተላእከ።

ሽዑ ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዚተገልጸ ቴዎፍሎስ ንቕዱስ ዮሐንስ አፈወርቅ ንምብቃል ቆሪጹ ተላዕለ። ይኹን እምበር ነዚ ሓሳቡ እዚ ብዝተኻእሎ ብምሥጢር ኃቢኡ ኃዞ። ነዚ ዕላማኡ ንምፍጻም ድማ ብኦሪገናውነት ሽፋን ንምጥቃም ሓሰበ። ነዚ ንኽሕግዞ ድማ ናብቶም ጳጳሳት ናይ ኦሪገን መጻሕፍቲ ከወግዙ ከም ዘለዎም ዝገልጽ ደብዳቤ ለኣኸ። ኣብዚ ሽፋን እዚ ድማ ብዓቕሙ ኣብ ጎኑ ኾይኑ ክሕግዞ ዝኽእል ሰብ ንምርካብ ላዕልን ታሕትን ክብል ጀመረ። ንናይ ቆጵሮስ ጳጰስ ቅዱስ ኤጲፋንዮስ ኣቐዲሙ ኣንትሮፖሞርፊስት ኢኻ ኢሉ ይነቕፎ ከም ዘይነበረ ሕጂ ግና ንዕኡ ፈታዊ ጌሩ ኣብ ጐድኑ ንኸሰልፎ ወሰነ።

ቴዎፍሎስ ብወንጀል ተኸሲሱ ንበይኑ ክቐርብ ዝተኣዘዘ እኳ እንተ ነበረ፡ ንሱ ግና 29 ዝኾኑ ናይ ቀረባ ደገፍቱ ዝኾኑ ግብጻውያን ጳጳሳትን ብዙኅ ገጸ በረኸትን ዚተፈላለየ ህያባትን ብምኃዝ ቁስጥንጥንያ በጽሐ። ቴዎፍሎስ ኣብ ቁስጥንጥንያ ኣብቲ ቤተ መንግሥትን ኣብ ዙርያኡን  ንዘሎ ኩነታት ዚነግሩ መገብተ ዜናን ተወከልትን ነበሩዎ። ስለ ዝኾነ ድማ ነቲ ኣብ መንጎ ቅዱስ ዮሐንስ አፈወርቅን ኣብ መንጎ ናይ ቤተ መንግሥቲ ሹማምንትን ብፍላይ ድማ ምስ ንግሥቲ ኣውዶክስያ ዚነበሮ ሓርፋፍ ርክብ ይፈልጥ ነበረ። ስለዚ ድማ ነዚ ኩነታት እዚ ክጥቀመሉ ወሰነ።

ቁስጥንጥንያ ካብ ዝበጽሕ ጊዜ ጀሚሩ ንሠለስተ ሰሙን ዝኣክል ከምቲ ኣብ መንጎ አበው ጳጳሳት  ዘሎ ልማድ፡ ቅዱስ ዮሐንስ አፈወርቅን መዕረፍን ካልኦት ኣድለይቲ ዘበሉ ነገራትን ኣዳልዩ ክቕበሎ እኳ እንተ ደለየ፡ ንሱ ግና ኣብቲ ኣብ ቤተ መንግሥቲ ዚተዋህቦ ቤት ተቐመጠ። ቅዱስ ዮሐንስ አፈወርቅ ደጋጊሙ ንኽመጽእ እኳ እንተ ለመኖ ንግብጃኡ ኣይተቐበለሉን ኣይተዛረቦንውን ናብ ቤተ ክርስቲያን ገጹውን ቅርብ ኣይበለን። ንቅዱስ ዮሐንስ አፈወርቅ ካብ መንበሩ ጥራይ ዘይኮነ ካብ ሕይወት ናይዛ ዓለምውን ዘሳድደሉ ነገር ኣብ ምሥራሕ ለይትን መዓልትን ተጸሚዱ ነበረ። ነዚ ዕላማኡ እዚ ንምውቃዕ ድማ ነቶም ናይ ገንዘብ ባሮት ዝኾኑ፡ ናይ ውዳሴ ኸንቱን ናይ ክብርን ወልፊ ዝኃዞም፡ ብምቅብጣርን ብውዳሴን፡ ሽመት ንዝደልዩ ናይ ሽመት ተስፋ ብምሃብ፡ ነቶም ብኸብዶም ዝግዝኡ ስሱዓት ድማ ብጽቡቕ መግብን ብመስተን ብሓፈሻ ዚተፈላለየ ተስፋታት ብምሃብን፡ ብድኹም ጐድኖም ብምእታውን ደገፍቲ ምግዛእ ጀመረ።

ቅዱስ ዮሐንስ አፈወርቅ ካብ ቤተ ክርስቲያን ብዓቢይ ወንጀል (ብቕትለትን ብዝሙትን) ምኽንያት ንዝሰጎጎም ክልተ ዲያቆናት ኣብ ልዕሊኡ ውንጀላ (ናይ ሓሶት ክሲ) እንተ ደኣ ኣቕሪቦም ናብ ቦታኦም ከም ዝመልሶም ድማ ቃል ኣተወሎም። ንሳቶም ድማ ቴዎፍሎስ ባዕሉ ከጽንዑዎ ዚነገሮም ክሲ ስለ ዘቕረቡ፡ ተንኮሉ ሰሚሩሉ ቅዱስ ዮሐንስ አፈወርቅ ምስ ተሰደደ ናብ ናይ ቀደም ቦታኦምን ኃላፍነቶምን ብምምላስ ውዕለቶም መለሰሎም። ካልኦት ንሽመትን ንሥልጣንን ንውዳሴ ኸንቱን ግዙኣት ካብ ዚነበሩ ካህናትውን ንውሑዳት ኣብ መጻወድያኡ ከእትዎም ከኣለ።

Tuesday 13 December 2016

፫ ታኅሳስ በአታ ለማርያም (ናይ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ናብ ቤት መቕደስ ምእታዋ 2ይ ክፋል)


እዚ ፋኑኤል ዚተባህለ መልኣኽ ሓደ ካብቶም ሾብዓተ ሊቃነ መላእኽቲ ኾይኑ፡ እቲ ሐዋርያ ይሁዳ ኣብ ቊ 14-15 ብዛዕባ መጽሓፉ ዚጠቐሰሉ ካብ ኣዳም ሳብዓይ ወለዶ ዝኾነ ሞት ከይጠዓመ ዚተሠወረ ኣቦና ሄኖክ ኣብ ምዕ 10፡14 “እቲ ራብዓይ ነቶም ሕይወት ዘለዓለም ንኺወርሱ ተስፋ ዘለዎም ኣብ ንስሓ ንኺመርሕ ሥልጣን ዘለዎ ፋኑኤል እዩ” ብምባል ናይዚ መልኣኽ ክብሪ መስኪሩሉ ኣሎ። “ወሶቤሃ ወረደ ፋኑኤል ሊቀ መላእክት ወጸለላ በአክናፊሁ ወተለዐለ ላዕለ መጠነ ቆመ ብእሲ ወወሃባ ወመጠዋ ወዐርገ ውስተ ሰማይ” ሽዑ ሊቀ መላእክት ቅዱስ ፋኑኤል ኅብስት ሰማያዊ ብብርሃን ጽዋዕ ስቴ ሕይወት ኂዙ ወረደ። ዘካርያስ ንዕኡ ዚመጸ ሃብቲ መሲልዎ ኪቕበል እንተ መጸ ናብ ላዕሊ ኣበለ፡ ሽዑ ናይ እግዚአብሔር ጥበብ ኣይፍለጥን እዩ እሞ ምናልባት ነዛ ሕፃን ዝመጸ ሃብቲ ይኸውን ስለዚ ንበይና ኣኅልፍ ኣቢልኩም ኅደጉዋ በሎም። ከምኡ ምስ ገበሩ ንሳ ኸኣ ናብ ኣዲኣ ኽትከይድ ምስ ጀመረት እቲ መልኣኽ ሓደ ኽንፉ ኣንጺፉ ብሓደ ኽንፉ ድማ ኣጐናጺፉ ካብ መሬት ክንዲ ቁመት ሰብ ዝኣክል ክብ ኣቢሉ ኅብስቲ መጊብዋ ጽዋዕ ኣስትይዋ ናብ ሰማይ ዓረገ።

አባ ጽጌ ድንግልን አባ ገብረ ማርያም ዘደብረ ሐንታን ኣብ ማሕሌተ ጽጌ ናይ ነገረ ማርያም መጽሓፎም ብኢድ እቲ መልኣኽ ናይ ምምጋባ ነገር ኪገልጹ ኸለዉ:-

               “የሐዝነኒ ማርያም ዘረከበኪ ድክትምና 
      አመ ቤተ መቅደስ ቦእኪ እንዘ ትጠብዊ ሐሊበ ሐና
     ወያሥተፌስሐኒ ካዕበ ትእምርተ ልሕቀትኪ በቅድስና 
        ምስለ አብያጺሁ ከመ አብእንዘ ይሴስየኪ መና
                       ፋኑኤል ጽጌ ነድ ዘይከይድ ደመና” 

(ማርያም ናይ ሐና ጸባ እናጠቦኺ ናብ ቤተ መቕደስ ምስ ኣተኺ ዝረኸበኪ ጽምዋ የኅዝነኒ፡ ዳግማይ ድማ እቲ ኣብ ደመና ዝመላለስ ደመና ዝረግጽ ናይ እሳት ዕምበባ ፋኑኤል ምስ ኣዕሩኽቱ መላእኽቲ መና እናመገበኪ ብንጽሕና ናይ ምዕባይኪ ተኣምር የሐጕሰኒ) ብምባል ኣመስጊኖም እዮም። 

እቶም ካህናትን ሕዝብን ናይ ኣመጋግባኣ ነገር ካብ ተታኅዘ ቦታኣ ኣብ ቤተ መቕደስ ይኹን እምበር እንታይ ምስ ሰብ ዘዳፍእ ኣለዋ ብምባል ዝፋን ዘርጊሖም ምንጻፍ ኣንጺፎም ብየማንን ጸጋምን መጋረጃ ዘርጊሖም ነቢይ ዳዊት ኣብ መዝ 42፡4 “ኣነ ምስ ብዙኃት፣ ምስቶም ብድምጺ ዕልልታን ምስጋናን በዓል ዜብዕሉ ሕዝቢ ኸይደ፣ ናብ ቤት ኣምላኽ እመርሖም ከም ዝነበርኩ፣ እናዘከርኩ ነፍሰይ ኣብ ውሽጠይ ፈሰሰት” ብምባል ከም ዝተዛረበ ብዛዕባ እቲ ዅሉ ዝረኣዩዎን ዝተፈጸመን ነገር ንእግዚአብሔር እናመስገኑ ነታ ኣማናዊት ናይ እግዚአብሔር ቤተ መቕደስን ናይ ኣካላዊ ቃል ታቦትን ዝኾነት እመቤትና ብ5488 ዓመተ ኩነኔ ኣብ ሠለስተ ዓመታ ኣእተዉዋ።

Monday 12 December 2016

፫ ታኅሳስ በአታ ለማርያም (ናይ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ናብ ቤት መቕደስ ምእታዋ 1ይ ክፋል)



ቅድስት ድንግል ማርያም ጓል ሠለስተ ዓመት ክሳዕ ትኸውን ኣብ ቤት ኣቡኣን ኣዲኣን ነበረት። ነዚ ምስ ኣቦኣን ኣዲኣን ዚነበራ ኣተዓባብያ “Protoevangelium of James” (ፕሮቶቫንጊሊዩም ኦፍ ጀምስ)  ኣብ ዝብል ጥንታዊ መጽሓፍ ኺገልጽ ከሎ፡ (“እታ ሕፃን ካብ መዓልቲ ናብ መዓልቲ ብኃይልን ብርትዐን እናዓበየት ከደት፡ ጓል ሽዱሽተ ወርኂ ምስ ኮነት ደው ኪትብል ትኽእል እንተ ኾነት ንምርኣይ ኣዲኣ ኣብ መሬት ደው ኣበለታ፡ ንሳ ኸኣ ሾብዓተ ስጉምቲ ምስ ሰጎመት ናብ ሕቚፊ ኣዲኣ ኣተወት፡ ኣዲኣ ኸኣ ከምዚ በለታ “ናብ ናይ ጐይታ እግዚአብሔር ቤተ መቕደስ ክሳዕ ዚወስደኪ ባዕልኺ ኣይትሰጉሚ” በለታ እሞ ኣብ መደቀሲ ኽፍሊ ናይ ቅድስና ስፍራ ገበረትላ... ሓደ ዓመት ምስ መልኣ ድማ ኢያቄም ዓቢይ ግብጃ ገይሩ ንካህናትን ጸሓፍትን ዓበይትን ሕዝብን ጸውዐ። ሽዑ ኢያቄም ንጓሉ ናብቶም ካህናት ኣቕረባ፡ ንሳቶም ከኣ፦ “ኦ! ኣቦና እግዚአብሔር፡ ነዛ ቖልዓ እዚኣ ባርካ፡ ብዅሉ ትውልዲ ዚጽዋዕ መወዳእታ ዘይብሉ ስም ሃባ” እናበሉ ባረኹዋ። ኵሎም እቶም ሕዝቢ ኸኣ፦ “ይኹን ይገበር ይጽናዕ ኣሜን” በሉ። ብድኅርዚ ናብ ሊቀ ካህናት ወሰዳ፡ ንሱ ኸኣ “ኦ! ልዑል እግዚአብሔር ነዛ ቖልዓ እዚኣ ተመልከት፡ ንዘለዓለም ብዝነብር ፍጹም በረኸት ድማ ባርካ” ብምባል ባረኻ፡ ሐና ድማ ኂዛታ ናብቲ ዝተቐደሰ ናይ መደቀሲ ክፍሊ ብምውሳድ ኣጥበወታ...) ይብል።

 ብድኅርዚ ኣዲኣ ሐና ጓላ ሠለስተ ዓመት ምስ መልአት፡ ጥበበኛ ሰሎሞን ኣብ መጽሓፈ መክብብ “ንኣምላኽ እንተ ተመባጻዕካሉ፡ ንምፍጻሙ ኣይትደንጒ። ብዓያሱ ባህ ኣይብልን እዩ እሞ፡ ነቲ እተመባጽዕካዮ ፈጽሞ። ተመባጺዕካ ኻብ ዘይትፍጽሞስ፡ ዘይምምብጻዕ ይኃይሽ” /መክ 5፤4/። ኢሉ ዚተዛረቦ ብምዝካር ንሰብኣያ ኢያቄም፦ “እዛ ቖልዓ እዚኣ ቆልዓ መብጽዓ ምዃና ትፈልጥ ኢኻ፡ ስለዚ ንኺድ ንቤተ እግዚአብሔር ንሃባ” በለቶ። ንሱ ድማ ኣነስ ፍቕርኺ ይወፅኣልኪ ኢለ እየ እምበር ኣነስ ፍቓደኛ እየ በላ። ኢያቄም ከምዚ ምባሉ ሐና ንእመቤትና ኣብ መኻንነት ነይራ ዝረኸበታ ሓንቲ ውላዳ ስለ ዝኾነት ካብ ፍቕራ ዚተላዕለ ካብኣ ተፈልያታ ስለ ዘይትፈልጥ እዩ።

እቲ ብዙኅ ጥበብ ሥጋውን ጥበብ መንፈሳውን ዚተዋህቦ ሰሎሞን ኣቐዲሙ ብመንፈስ እግዚኣብሔር ተመሪሑ ነዛ ናይ ሐና ሓንቲ ውላዳ ዝኾነት ብለውሃታ ኸኣ ብርግቢት ዚተመሰለት ቅድስት ድንግል ማርያም፡ ካብተን ቁጽሪ ዘይብለን (ብዙኃት) ኣዋልድ ተፈልያ ኣደ ኣምላኽ ንምዃን ንበይና ከም ዝተመርጸት ኣብ መኃ 6፡8-10 “አዋልድ አልቦን ኁልቊ” ቊጽሪ ዘይብለን ኣዋልድ ኣለዋ ብምባል ቊጽሪ ዘይብለን ኣዝየን ብዙኃት ኣዋልድ ከም ዘለዋ ድኅሪ ምንጋሩ “አሐቲ ይእቲ እምኔሆን ርግብየ ፍጽምትየ” ግናኸ ርግበይ ፍጽምተይሲ ሓንቲ እያ ብምባል ካብ ኵላተን ተፈልያ ብለውሃታ ርግቢት ንዝተመሰለት ቅድስት ድንግል ኣደ ንኽትኮኖ ብኣምላኽ ከም ዝተመረጸት ድኅሪ ምዝራቡ፡ “አሐቲ ይእቲ ለእማ ወኅሪት ይእቲ ለእንተ ወለደታ” ነዲኣ ሓንቲ እያ ንወላዲታ ምርጽቲ እያ ብምባል ድማ ኣዲኣ ቅድስት ሐና መኻን ድኅሪ ምንባራ ዝወለደታ ምርጽቲ ውላድ ምዃና ተገሊጽሉ ብዛዕባኣ ተዛረበ።

ብድኅርዚ ዳዊት ኣብ መዝ 27፡4 42፡8 116፡18-19 “ብመዓልቲ ጸበባ ኣብ ዳሱ ኺኃብኣኒ፣ ኣብ ውሻጠ ድንኳኑ ኪኽውለኒ፣ ኣብ ከውሒ ልዕል ኬብለኒ እዩ እሞ፣ ንእግዚአብሔር ሓንቲ ነገር ለሚነዮ። ውቃበ እግዚአብሔር ንምርኣይ፣ መቕደሱውን ንምምርማርሲ ምሉእ ዕድመይ ኣብ ቤት እግዚአብሔር ክነብር ደልየ ኣሎኹ።  “ንእግዚአብሔር ኣብ ቅድሚ ዅሉ ሕዝቡ፣ ኣብ ኣጸድ ቤት እግዚአብሔር፣ ኣብ ማእከልኪ፣ ዎ ኢየሩሳሌም፣ መብጽዓይ ክፍጽም እየ። ሃሌሉያ” ብምባል ከም ዚተዛረበ ኢያቄምን ሐናን ንእግዚአብሔር ብምምስጋን ንካህን ዘካርያስ “እዛ ቖልዓ እዚኣ ተመባጺዕና ኣምላኽና ብሕያውነቱ ዝሃበና እያ እሞ ተቐበለና” በሉዎ። ንሱ ድማ ምስ ረኣያ ከም ፀሓይ እተብርህ ከም መብረቕ ከኣ ግርማኣ ዘፍርህ እተብርህ ዕንቊ ባሕሪ መሲላ ተራእየቶ። ብምድናቕ ድማ “እዚኣ ትመስል ፍጥረት እንታይ ክንገብራ ኢና? እንታይ ከ ኸነብልዓ ኢና? እንታይ ሲ ከነስትያ ኢና? እንታይ ከነንጽፈላ እንታይ ከ ኪንጋርደላ ኢና? ብምባል ሕዝቢ ኣኪቡ እናተጨነቑ እንከለዉ፡ እቲ ንእስራኤል ደመና ጋሪዱ መና ኣውሪዱ ዝመገበ፡ ንኤልያስ ብኢድ እቲ መልኣኽ ካብ መሶበ ወርቅ ኅብስቲ ዝመገበ፡ ንዕዝራ ሱቱኤልውን ብኢድ ቅዱስ ዑራኤል መልኣኽ እሳት ዚመስል ጽዋዕ ልቦና ዘስተየ ልዑል እግዚአብሔር፡ ናብታ ኣደ ኺትኮኖ ዚመረጻ ናብ ኣዲኡ  ንፋኑኤል መልኣኽ ለኣኸላ /ዘፀ 16፡31 1ይ ነገ 19፡6 ዕዝ.ሱቱ 13፡38-41/።......ይቕጽል

መዝሙር

115. ልዑል ሰምራ ዳዊት ዘመራ (2)
          በቤተ መቅደስ ተወክፍዋ(2)

116. ጽላት ዘሙሴ ዕፀ ጳጦስ ዘሲና (2)
ጸናጽል (5) ዘኣሮን ካህን እህህህህህ




117. መንክር ግርማ
          መንክር ግርማ ኃይለ ልዑል ጸለላ (2)
          ኣማን (3) መላእክት ይኬልልዋ (2)

118. ንጽህተ ንጹሐን ከዊና ከመ ታቦት ዘዶር ዘሲና (2)
          ውስተ ቤተመቅደስ ነበረት በድንግልና ነበረት
          ሲሳያ ህብስተ መና ወስቴሓኒ ስቴ ጽሞና (2)

119. ሰላም ንዓኺ ማርያም ፈጣሪ ንምውላድ ዝበቃዕኪ (2)
        ኣምላኽ ንዓኺ እንተዘይ ሓድገልና
        ከም ሰዶምን ከም ጎሞራን ኩላትና ምኾንና (2)

120. ብመን (2) ክንምስላ ድንግል ማርያም (2)
          ምሳሌ የብላን (2) ንዓዓ ዝመስል
          ምሳሌ የብላን (2) ንክብራ ዝመስል (2) እህ

121. ኣእላፍ ኣእላፍ(2)
        መላእክት ይትለአኩኪ(2)

122. ይዌድስዋ መላእክት መላእክት ለማርያም(2)
          በውስተ ውሳጤ መንጦላዕት ወይብልዋ 
          በሃኪ ማርያም ሃዳስዩ ጣዕዋ(2)

123. መሶበ ወርቅ ዘመና እግዝእትነ ማርያም ቅድስት(2)
ቅድስተ ቅዱሳን ይብልዋ ካህናት(2)




Wednesday 7 December 2016

ናይ ቅዱስ ዮሐንስ ኣፈወርቅ ሕይወቱን ትምህርቱን መበል 17 ክፋል


ቅዱስ ኤጲፋንዮስ ኣብ ቁስጥንጥንያ

ቅዱስ ኤጲፋንዮስ ብናይ ቴዎፍሎስ መልእኽቲ ካብ ቆጵሮስ ተበጊሱ ናብ ቁስጥንጥንያ ኣተወ። ብቐጥታ ናብ ሓንቲ ቤተ ክርስቲያን ናይ ቁስጥንጥንያ ብምእታው ድማ ሓደ ዲያቆን ሾመ። ሥርዓተ ቅዳሴውን ኣካየደ። እንተኾነ ግና ብናይ ቤተ ክርስቲያን ቀኖና መሠረት ኣብ ናይ ካልእ ሃገረ ስብከት ኬድካ ካህን ይኹን ዲያቆን ምሻም ሕጋዊ ኣይኮነን። ቅዱስ ዮሐንስ ኣፈወርቅ ብመሠረት ሥርዓት ናይ ኣቦታት ኣኽቢሩ መታን ኪቕበሎ ምስ ካህናት ኮይኑ ናብኡ ኸደ። ኤጲፋንዮስ ግና ንቴዎፍሎስ ንኸሐጕስ ክብል “ምስ ቅዱስ ዮሐንስ ኣፈወርቅ ኣይከውንን እየ፡ ምስኡ ኪራኸብውን ኣይደልይን እየ” ብምባል ኣቕበጸ።

ብድኅርዚ ንቕዱስ ዮሐንስ አፈወርቅ ከየማኸረን ከይነገረን ነቶም ኣብ ቁስጥንጥንያ ዘለዉ ጳጳሳት ብሕቡእ ብውልቁ ኣኪቡ፡ ንኦሪገን ንባዕሉ ዘይኮነስ ንመጻሕፍቱ ዘወገዙ ከም ዝኾኑ ቅዳሕ ናይቲ ውሳኔ ብምርኣይ ንሳቶም ነዚ ውሳኔ ንኽፍጸም ከጽድቕዎ ነገሮም። ሓደ ሓደ ካብኣቶም ንቕዱስ ኤጲፋንዮስ ካብ ዘለዎም ኣኽብሮት ክቕበሉዎ እንከለዉ፡ ዝበዝኁ ግና ንሓደ ቅድሚ ነዊኅ ዓመታት ብሃይማኖት ዝዓረፈ ሰብ ሕጂ ምርጋምን ምጽራፍን ግቡእ ኣይኮነን በልዎ። ከምኡውን እዚ ጉዳይ እዚ ንቴዎፍሎስን ንዓኻን ደስ ኣቢሉኩም  እንተ ዘይኮይኑ ነዚ ውግዘት እዝን ነዚ ጉዳይ እዝን ሕጂ እንታይ ኣምጺእዎ? በልዎ።

እዚ ዅሉ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ቅዱስ ዮሐንስ ግና ንቕዱስ ኤጲፋንዮስ ዝነበሮ ኣኽብሮትን ፍቕርን ኣይተለወጠን ነበረ። ስለዝኾነ ድማ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ኃቢሮም ንኽጽልዩን ኣገልግሎት ንኽፍጽሙን ኣብ መንበረ ጵጵስናኡ (ኣብ ናይ ቅዱስ ዮሐንስ አፈወርቅ መንበረ ጵጵስና) ምስኡ ኃቢሩ ንኽኸውን ዓደሞ። ቅዱስ ኤጲፋንዮስ ግና “ናይ ኦሪገን መጻሕቲ ከየወገዝካን፡ ቴዎፍሎስ ዘሳደዶም መነኰሳት ኣወጊዝካ ካብ ቁስጥንጥንያ ከይሰደድካዮምን ምሳኻ ኣይኃብርን፡ ምሳኻውን ኣይጽልይን” ብምባል ኣብ መርገጺኡ ጸንዐ። ብጉባኤ ብኣቦታት ተመኺሩ ዚተወሰነ ነገር ኣብ ዘይብሉ በዚ ትም ኢሉ ዝቐረበ ሓሳብ ጥራይ ተበጊስካ ስጉምቲ ምውሳድ ግቡእ ኣይኮነን ኢሉ ስለ ዝኣመነ ቅዱስ ዮሐንስ አፈወርቅ  ነቲ ጉዳይ ቀስ ጌሩ ብትዕግሥትን ብጥንቃቐን ንኽኅዞ ፈተነ።

በዚ ጉዳይ እዚ ጉባኤ ኪግበር እናተሓስበ ድማ ናይ ቅዱስ ዮሐንስ አፈወርቅ ጸላእቲ፡ ቅዱስ ኤጲፋንዮስ ኣቐድም ኣቢሉ ንበይኑ ናይ ኦሪገን መጻሕፍቲ ንኸወግዝን ካብ ግብጺ ብቴዎፍሎስ ዚተሰደዱ መነኰሳት ኦሪገናውያን ብምዃኖም ዚተወገዙ ከም ዝኾኑን፡ ቅዱስ ዮሐንስ አፈወርቅ ንዓኣቶም ስለ ዘየሳደዶም ንዕኡ ዚነቅፍ መግለጺ ንሕዝቢ ንኸቕርብ ኩነታት ኣመቻችኡሉ። በዚ ድማ ንኽልቲኦም ጽቡቕ ጌሮም ንምጽላእን፡ እቲ ሕዝቢ ኣብ ልዕሊ ቕዱስ ዮሐንስ አፈወርቅ ዚነበሮ ፍቕሪ ናብ ጽልኢ ንምቕያርን የኽእለና እዩ ኢሎም ስለ ዝሓሰቡ እዮም።ንጽባሒቱ ቅዱስ ኤጲፋንዮስ ነዚ ዝወጠኖ ውጥን ብተግባር ንምፍጻም ናብ ቤተ ክርስቲያን እናኣተዉ እንከሎ፡ ነቲ ተንኮል ዚተረድአ ቅዱስ ዮሐንስ አፈወርቅ ሴራፕዮን ንዝተባህለ ሊቀ ዲያቆን ነዚ ዝስዕብ ደብዳቤ ሂቡ ለኣኾ።

“ኦ ቅዱስ ኤጲፋንዮስ፡ ምስ ቀኖና ቤተ ክርስቲያን ዝጻረሩ ብዙኃት ነገራት ገበርካ። ብመጀመርታ ኣብተን ኣብ ትሕተይ ዘለዋ ኣብያተ ክርስቲያናት ኣነ ኸይፈለጥኩ ክህነት ሂብካ። ኣቲኻውን ኣገልጊልካ። ጉባኤውን ጌርካ። እዚ ዅሉ ፈጺምካ ከለኻ ኪቕበለካ እንተበልኩውን ኣቢኻ። ናባና ኪትመጽእ እንተ ተጋበዝካውን ኣይተቐበልካዮን። ኵሉ ነገር ብናትካ ውሳኔ ትገብር ኣለኻ። ሕጂውን ዝገበርካዮን ኪትገብሮ ሓሲብካ ዘለኻን፡ ነገር ከስዕቦ ዝኽእል ሕዝባዊ ቊጥዓን ሁከትን ካልእ ከስዕቦ ንዝኽእል ነገራትን ተሓታቲ ንኸይትኸውንን፡ ነብሰኻ ኣብ ሓደጋ ንኸይትወድቕ ተጠንቀቕ”

ቅዱስ ኤጲፋንዮስ ነዚ ወቐሳን ተግሣፅን ምስ ሰምዐ ብቕጽበት ካብቲ ቤተ ክርስቲያን ወፂኡ ናብ ቆጵሮስ (ናብ ሃገረ ስብከቱ) ንምምላስ ጕዕዞ ጀመረ።ቴዎፍሎስ ዘሳደዶም መነኰሳት ናብኡ መጺኦም “ኦ ኣቦና ናትና ወይ ናይ ደቀ መዛሙርትና ጽሑፍ ኣንቢብካ ትፈልጥ እንተ ዄንካ ብኣኽብሮት ክንሓተካ መጺና ኣሎና” በልዎ። ንሱ ድማ መጻሕፍቶም ከም ዘየንበበን ንዓቶምውን ከም ዘይፈልጦምን ምስ ነገሮም “ናትና ኣተሓሳስባ ከይፈለጥካ ደኣ ከመይ ጌርካ መናፍቓን እዮም ክትብለና ክኢልካ?” በልዎ። ንሱ ድማ ብዛዕባኦም ካብ ካልኦት ሰባት ኣብ ዚነገሩዎ ተመርኵሱ ከም ዝተዛረበ ምስ ነገሮም፡ ንሳቶም ግና ናቱ ጽሑፍ ከም ዘንብቡን ነቶም ንትምህርቱ ዝነቕፉ ሰባት ድማ ከም ዝቃወሙን ብምግላጽ “ሓደ ሰብ ኣብ ዘይብሉ፡ እሞ ኸኣ ዋላ ሓደ ርጉጽ መረዳእታ ከይሓዝካ ከተወግዝ ይግባኣካ ድዩ?” ኢሎም ሓተቱዎ። ንሱ ድማ እቲ ኣዘራርባኦም ስለ ዘእመኖ፡ ናይቲ ጉዳይ እንታይነት (መንነት) ተረድኦ።

ሓደ ሓደ ሰባት ቅዱስ ኤጲፋንዮስ ንኽምለስ ጕዕዞኡ ክጅምር ከሎ፡ ንቅዱስ ዮሐንስ አፈወርቅ "ኣብ መንበርካ ከለኻ ኣይትመውትን ኢኻ" ከም ዝበሎን ቅዱስ ዮሐንስ አፈወርቅ ድማ "ንስኻውን ኣብ መንበረ ጵጵስናኻ ኣይትበጽሕን ኢኻ" ከም ዝበሎ ይዛረቡ። ብርግጽ ክልቲኦም ዝበልዎ ድማ ተፈጺሙ እዩ። ቅዱስ ዮሐንስ አፈወርቅ ታሪኹ ኣብ ዝቕጽል ከም ንርእዮ ካብ መንበሩ ተሰዲዱ እዩ። ቅዱስ ኤጲፋንዮስ ድማ ንሃገረ ስብከቱ ኪኸይድ ከሎ ኣብ መንበረ ጵጵስናኡ ከይበጽሐ ኣብ ባሕሪ ዓረፈ።

ቅዱስ ኤጲፋንዮስ ብቕድስና ሕይወቱ ዚተኸበረ፡ ኦርቶዶክሳዊ እምነቱን ጠበቓነቱን ዚተመስገነ ዓቢይ ኣቦ እዩ። እንተ ኾነ ግና መናፍቕነት ካብ ምጽያፍን ንሃይማኖት ካብ ዘለዎ ቀናኢነትን ዚተላዕለ ኅልፍ ኅልፍ ኢሉ ናይ ናግራማትን ናይ ተንኮለኛታትን መጠቀሚ ናይ ምዃን ሓደጋ ገጢሙዎ እዩ። ካብ ቀኖና ቤተ ክርስቲያን ውፅእ ዝበለ ተግባር ንምፍጻም ዘለዓዕሎ ዚነበረ ድማ እዚ ጠባዩ እዚ እዩ። ድኂሩ ነቲ ኩነታት ተረዲኡ እቲ ሓቂ እናተጋህደሉ ክሳዕ ዝኸይድ፡ ቴዎፍሎስ ዚነገሮ ከም ዘለዎ ይቕበሎ ስለ ዝነበረ ንቕዱስ ዮሐንስ አፈወርቅ ብትኽክል ከይተረድኦ (ከይፈለጦ) ጸንሐ። ድኂሩ ግና ነቶም ኩነታት ምስ ተረድኦምን ቅዱስ ዮሐንስ አፈወርቅ ድማ ነቶም ዝገበሮም ጌጋታት ዘርዚሩ ምስ ኣረድኦን፡ ቴዎፍሎስን ኣውዶክስያን መሣርሒ ይገብሩዎ ከም ዘለዉ ተረድአ። በዚ ድማ ብቕጽበት ንቁስጥንጥንያ ገዲፉ ንምምላስ ጕዕዞ ጀመረ።

Monday 5 December 2016

ቅንኣት ካብ ልብና ነቒልና ናይ ፍቕሪ ፈልሲ ንትከል (ብቅዱስ ዮሐንስ አፈወርቅ)



ክብርን ምስጋናን ንስሙ ይኹን ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ነቲ መጻጕዕ ፈወሶ። ድኅሪ 38 ዓመት ዓራቱ ተሰኪሙ ከም ዝኸይድ ገበሮ። ኣይሁድ ግና መጻጕዕ ብምድኃኑ ተበሳጨዉ። ካብቲ 38 ዓመት ምሉእ ሓሚሙ ዝነበረ ድዉይ ንላዕሊ ንሳቶም ሕሙማት ኮኑ፡ ቅንኣት ብዝበሃል ሕማም ተወቕዑ።

እዞም ደቀይ! ቅንኣት ከመይ ዝበለት ዓባይ ኃጢኣት ከም ዝኾነት ነስተውዕል። ቅንኣት ከመይ ገይራ ዓይነ ልቦና ከም ተዕውርን ናይ ሓደ ሰብ ምድኃን ድማ ከም እተጠፍእን ነስተውዕል። ከምቲ ሓደ ኣእምሮኡ ዝሰሓተ ሰብ ብሰይፍን ብኻራን ብኻልኦት በላሕቲ ነገራትን ገይሩ ንሰብነቱ ዝጎድእ፡ ቀናእ ሰብ ድማ ካብዚ ብዝኸፍአ ኩነታት ነብሱ ይጎድእ። ቀናኣት ሰባት ካብ ናይ በረኻ ኣራዊት ዝኸፍኡ እዮም። “ብኸመይ” ትብሉኒ እንተዄንኩም “ናይ በረኻ ኣራዊት ዝብላዕ ነገር እንተዘይደልዩ፡ ወይ ድማ ንሕና ባዕልና ከይተናኸናዮ ኣይጓዳእን እዩ። ቀናእ ሰብ ግና ምሕረትን ሕያውነትን ንዝገብሩሉ ሰባት ከይተረፈ እኳ ይጓዳእ። ንዝመኽርዎውን የሳድድ። ንፈተውቱ መጻወድያ የዳሉ። ኣብ ልቡ ካብ ናይ በረኻ ኣራዊት ዝገደደ ጽልኢ ስለ ዝኅዝ ንሱ ካብ ናይ በረኻ ኣራዊት ይገድድ” ኢለ እምልሰልኩም።

ንኣይሁድ ኪንምልከት ንኽእል ኢና። ነቲ ኼድኅኖም ዝመጸ ጐይታ ብቕንኣት ተንሢኦም ኣሳደድዎ። “ብናይ ኣጋንንቲ ሓለቓ ኣጋንንቲ የውፅእ” በልዎ (ሎቱ ስብሐት)። ቀናእ ሰብ ቅድሚ ንኻልእ ሰብ ምጕድኡ መጀመርታ ነብሱ እዩ ዝጎድእ። ኦ! ወዲ ሰብ ስለምንታይ ብጎረቤትካ ትቐንእ? ጐረቤትካ ጽቡቕ ነገር ስለ ዝረኸበ ካብ ትቐንእሲ ብናትካ ኃጢአት ዘይተልቅስ?

ጐይታና ንጸላእትና እኳ ከይተረፈ ከነፍቅር ነጊሩና ከብቅዕ፡ ንሕና ግና ብጭራሽ ንፈተውትና ብቕንኣት ተላዒልና ንጸልኦም እንተዄንና፡ ከመይ ዝበለ ይቕሬታ ኪግበረልና ይኽእል? ንዝፈትውዎ ጥራይ ዝፈቱኸ እንታይ ብልጫ ኣለዎ? ነዚ ደኣ ኣሕዛብሲ ይገብርዎ ዶ ኣይኮኑን?

እስከ ቅዱስ ጳውሎስ ከምዚ ዝስዕብ ዝበለና ንስምዓዮ “ሥጋይውን ንምንዳድ ኣኅሊፈ እንተ ዝህብ፡ ፍቕሪ ካብ ዘይትህልወኒ፡ ሓንቲ እኳ ኣይጠቕመንን እዩ” (1ይ ቆሮ 13፡3)። እዚ ማለት ድማ ቅንኣት ዝኃዞ ሰብ ፍቕሪ ዘይብሉ ሰብ እዩ ማለቱ እዩ። 

ኣኅዋተይ! ቅንኣት ካብ ዝሙትን ሥጋዊ ስምዒታውነትን ንላዕሊ ክፍእቲ እያ። ምኽንያቱ ዝሙት ነቲ ዘማዊ ጥራይ እያ ትጎድኦ። ቅንኣት ግና ኣብያተ ክርስቲያንን ምሉእ ዓለምን እያ ተጥፍእ።

ቅንኣት ንቐታሊት ነፍሲ ኣዲኣ እያ። ቃኤል ብቕንኢ ተላዒሉ ንኣቤል ኃዉ ቀተሎ። ኤሳው ብቕንኣት ተላዒሉ ንያዕቆብ ኃዉ ኣሳደዶ። ደቂ ያዕቆብ ብቕንኣት ተላዒሎም ንገዛእ ኃዎም ናብ ኣማሌቃውያን ኣኅሊፎም ሸጥዎ። ናይ ቀደም ሰማልያል ናይ ሕጂ ዲያብሎስ፡ ብቕንኣት ተላዒሉ ንደቂ ሰብ (ንኣዳምን ሔዋንን) ካብ ገነት ኣውፅኦም።

ካብኻትኩም “እሞ ኣነ እኮ ንኃወይ ኣይቀተልኩን” ዝብል ይህሉ ይኸውን እዩ። ግዲ የብልኩምን፡ ንኃውኹም ምስንኻልን ንኣምላኽ ደስ ንኸየብሎን ጽቡቕ ነገር ንኸይገብርን ዕንቅፋት ትኾንዎ እንተዄንኩም፡ እዚ ካብ ምቕታል ዝገደደ እዩ። ደጊምኩምውን ነዚ ኣስተውዕሉ፡ ብቕንኣት ተላዒልኩም ንኃውኹም ንምጕዳእ ኪትሓስቡ ኸለኹም፡ ጽልእኹም ምስቲ  ሰብ እቲ ኣይኮነን፡ እንታይ ደኣስ ጽልእኹም ምስቲ ጐይታኡ (ምስ ክርስቶስ) እዩ! ንኃውኹም ብቕንኣት ተላዒልኩም ኪትቀትልዎ ምስ ትሓስቡ፡ ካብቶም ብቕንኣት ተላዒሎም ንጐይታና ዝቐተልዎ ኣይሁድ ኣይትሕሹን ኢኹም። ንኃውኹም ብቕንኣት ተላዒልኩም ምስ ትጸርፍዎ፡ ካብቶም ብቕንኣት ተላዒሎም ንጐይታና ዝጸረፍዎን ምራቖም ካብ ዝተፍኡሉን ኣይሁድ ኣይትሕሹን ኢኹም።

ኣኅዋተይ! ቅንኣት ካብ ኵሉ ነገር ዝኸፍአ ክነሱ፡ ከም ቀሊል  ኪንርእዮ ዝግብኣና ኃጢአት ኣይኮነን። ሽሕ ጊዜ ፍቕሪ እንተሃለወና፡ እልፊ ጊዜ እንተጾምናን እንተ ጸለናን ግና ኸኣ ቅንኣት እንተ ደኣ ኣለና፡ ኵሉ ከንቱን ናይ ከንቱ ኸንቱ እዩ።

እስከ ምሳሌ መሲለ ከረድኣኩም ኪፍትን። ኣብ ናይ ቆሮንቶስ ቤተ ክርስቲያን ሓደ ብዝሙት ዝወደቐ ሰብ ነበረ። ምስ ተመኸረ ግና ካብ ኃጢኣቱ ተመሊሱ ቅዱስ ኮይኑ እዩ። እቲ ብቕንኣት ዝወደቐ ቃኤል ግና እግዚኣብሔር ኪምለስ ኢሉ እንተተዛረቦውን ኣይተመለሰን። ካብቲ ናይ ቅንኣት ቊስሉ ፈጺሙ ኪፍወስ ኣይከኣለን። ቅንኣቱስ ኃዉ ናብ ምቕታል ደኣ ኣብጽሖ እምበር! ስለዚ ቅንኣት ካብ ኵሉ ኃጢአት ዝኸፍአ እዩ ንብል።

ስለዚ ኣኅዋተይ! ዝለበስናዮ ናይ ቅንኣት ክዳን ቀዲድና ንደርብዮ። ኣብ ነፍስና ዘብቆልናዮ ናይ ቅንኢ ገረብ ካብ ሱሩ ሞንቊስና ንደርብዮ። ብበረኸት ናይ ኣኅዋትና ኣብ ክንዲ ንቐንእ፡ ደስ ይበለና። ነዚ ምስ እንገብር ንእግዚኣብሔር ከነሕጉሶ ኢና። በረኸት ምሳና ኪትከውን እያ። ስለዚ ቅንኣት ካብ ልብና ነቒልና፡ ፈልሲ ፍቕሪ ኣብ ልብና ንትከል እናበልኩ እመኽረኩም። ( ሰማዕትነት ኣየምልጥኩምን ካልኦትን ካብ ትብል መጽሓፍ ካብ ገጽ 83 ዚተወስደ)

Thursday 1 December 2016

ናይ ኣብዚኅካ ምብላዕ ጣጣ (ብቅዱስ ዮሐንስ አፈወርቅ)


ናብ ሕክምና ኬድካ ምስ ትሓትት፡ ጠንቂ ናይ ብዙኅ ሕማማት፡ ኣብዚኅካ ምብላዕን ኣብዚኅካ ምስታይን ምዃኖም እዩ ዝንገረካ። መጢንካ ምብላዕን መጢንካ ምስታይን ኣደ ጥዕና እያ። ነዚ ድማ እዮም ሓካይም “መጢንካ ምብላዕን መጢንካ ምስታይን ኣደ ጥዕና እያ” እናበሉ ዝጽውዕዋ። መጢንካ ምብላዕን ምስታይን ኣደ ጥዕና ኻብ ኮነት፡ ኣብዚኅካ ምብላዕን ምስታይን ድማ ናይ ኵሉ ሕማማት ምንጪ እዩ። ሓደ ሓደ ጊዜ እዞም ምስ ኣብዚኅካ ብምብላዕን ብምስታይን ተተኃኂዞም ዚመጹ ሕማማት፡ ንሓካይም ልዕሊ ዓቕሞም ኮይኖም ይርከቡ። ኣብ እግርኻ ዚመጽእ ሪሕ (Gout) ዚተባህለ ሕማም፡ ዘውድቕ ሕማም፡ ኣብ ርእሲ እናፈሰሰ ሰብነት ከም ዝድንዝዝ ዝገብር ደም (Stroke)፡ ናይ ምርኣይ ዓቕምኻ ምቕናስ፡ ኣብ መገጣጠሚታት ዝመጽእ ቅርጥማት፡ ኣብ ሰብነት ዝርአ ዘየድሊ ሓደ ሓደ ናይ ምንቅጥቃጥ ስምዒታት (Tremor)፡ ናይ ሰብነት ምድካምን ልሙስ ምዃንን፣ ወይቦ (Jaundice) ከምኡውን ንምዝርዛር ጊዜ ዘይንረኽበሎም ካልኦት ብዙኃት ዓይነት ሕማማት ምንጮም ኣብዚኅካ ምብላዕን ምስታይን ደኣ እምበር፡ መጢንካ ምብላዕን ምጽዋምን ኣይኮነን።

ኣብ ነፍስና ዚኽሰቱ ደዌታትውን ምንጮም ካብዚ ከም ዝኾነ ኢና ንዝክር። ንኣብነት ናይ ሰብ ንብረት ንምስራቕ ምሕሳብ፡ ስንፍና፡ ንዝህላልነት፡ ፍትወትን ካልኦት ከምዚ ዝኣመሰሉን ናይ ኵላቶም ምንጪ ኣብዚኅካ ምብላዕን ምስታይን እዩ። ከምዚ ብዘይቅጥዕን ብዘይ ልክዕን ዚበልዑ ነፍሳት ካብ እንስሳ እኳ ዘይሕሹ ሕሱራት ሰባት ንኽኾኑ ይገብሮም። ብዘይ ቅጥዒ በሊዓን ሰትያን ዝገዘፈት ኣድጊ ብኣራዊት በረኻ ብቐሊሉ ከም ትብላዕ፡ እዞም ሰባት እዚኦምውን በዞም ኣቐዲምና ዚጠቐስናዮም ኣራዊት (ብሕማማት) ይጥቅዑ።

ብምቾት ተታኂዞም ብዘይ ቅጥዒ ንዝበልዑን ንዝሰትዩን ሰባት ከመይ ዝበለ ሕማምን ስቓይን ከም ዝረኽቦም ደጊመ ዶ ኽነግረኩም? ዋላ  እኳ ንዅሉ ምዝርዛር እንተዘይከኣልኩ፡ ሓንቲ ነጥቢ ጥራይ ብምልዓል ሓሳበይ ከጠቓልል። ኣብ ናይ ምቾትን ጣዕምን መኣዲ ዝኾነ ሰብ ደስ ኢልዎ ኣይመገብ፡ ምንጪ ናይ ደስታን ጥዕናን ኣብኡ ኣይኮነን ዘሎ። ናይ ምቾት መኣዲ ምንጪ ናይ ሕማም ጥራይ ኣይኮነን። ሓጐስ ናይ ምስኣን ምንጪውን እዚ መኣዲ እዚ እዩ። ኵሉ ነገር እንተተማሊእልና ምድላይ (ምምናይ) ዝበሃል ነገር ኣብ ውሽጥና ኣይህሉን እዩ። እሞ ኸ ድኣ ትደልዮ ትሃርፎ ኣብ ዘይብልካ ኵነታት ከመይ ጌሩ ሓጐስ ኪህሉ ይኽእል? ነዚ ድማ ኢና ድኻታት ካብ ሰብ ጸጋ ንላዕሊ ብዝኃሸ ምስትውዓልን ጥዕናን ጥራይ ዘይኮነ፡ ዓቢ ብዝኾነ ሓጐስ መሊኦም ንርእዮም። (ሰማዕትነት ኣየምልጥኩምን ካልኦትን ካብ ትብል መሓፍ ካብ ገጽ 108 ዚተወስደ)