bieteelyas.blogspot.com ቤተ ኤልያስ

Friday 26 August 2016

ናይ ተሃድሶ ታሪኽ 5ይ ክፋል

…ኣብ’ዚ ቤት ቤት ትምህርቲ እዚ ተመሃሮ ንኽኾኑ ንመጀመርያ ጊዜ ዚተመልመሉ ካብ 12-15 ኣቢሎም ዚኾኑ መንእሰያት ዲያቆናት እዮም ኔሮም። እዞም ዲያቆናት እዚኣቶም ብምምሕዳር ናይ’ቲ ቤት ትምህርቲ ፍሉይ ኣተኩሮ ዚተገብረሎም ኮይኖም፡ ካብ’ቲ ቤት ትምህርቲ ወጻኢ ምስ ዘሎ ማሕበረ ሰብ ዘለዎም ርክብ መታን ኪቋረጽ ድማ እቲ ቤት ትምህርቲ መሕደሪ ዘለዎ ቤት ትምህርቲ ከም ዚኸውን ተገብረ። ዕረፍቲ ብዘይህብ ናይ ትምህርቲ ፕሮግራም ከም ዝውጠሩ ብምግባር ድማ እቶም ዲያቆናት ካብ ቅዳሴ ካብ ጸሎትን ካብ ጉባኤን ርሒቘም ምስ ናይ ግብጺ ቤተ ክርስቲያን ዘለዎም ርክብ ቀስ ብቐስ ተቛረጸ። ኣብ’ቲ ቤት ትምህርቲ ብኣንግሊካውያን ዚተዳለወ ናይ ፕሮቴስታንት ጸሎት ብቋንቋ ዓረብ ይካየድ ነበረ። እቶም ዲያቆናት ድማ ኣብቲ ናይ ጸሎት መደብ ብድሌትን ብሓይልን ቀስ ብቐስ ኪሳተፉ ጀመሩ።

አንድሪው ዋትሰን ዚተባህለ ናይ’ቲ ቤት ትምህርቲ ሚስዮናዊ ብዛዕባ እቲ ዚነበረ ኩነታት ኪገልጽ ከሎ “ዘነቓቕሕ ናይ ወንጌላዊት ቤተ ክርስቲያንና ኣገልግሎት ብዙሓት ሰባት ከም ዝማርኽ እኣምን እየ… እዞም መንእሰያት ውን ናትና ኣገልግሎት ምስ’ቲ ወንጌላዊ ዘይኮነ ዝሞተ ቋንቋኦምን ምስ’ቲ ቀታሊ ዚኾነ ሥርዓተ ቅዳሴኦምን ከነጻጽርዎ ከለዉ ኣብ ሕልናኦም ኣዝዩ ጠቓሚ ዝኾነ ለውጢ ኪፈጥረሎም እዩ….” ይብል።

ኣብ ኣሕዳሪ ቤት ትምህርቲ ብቐዳምነት ዚወሃብ ትምህርቲ ናይ ቋንቋ እንግሊዝ ኮይኑ፡ እቶም ተመሃሮ ቋንቋ እንግሊዝ ብዝግባእ ፈሊጦም ናይ እንግሊዘኛ መጻሕፍቲ ናብ ዓረብ ኪትረጉሙ ከም መደብ ተታሒዙ ነበረ።
ብዘይካ ቋንቋ እንግሊዝ ሽፋን ንኽኸውን ተባሂሉ ጥንታዊ ናይ ግብጺ ቋንቋ ውን ይምሃሩ ኔሮም። ዋትሰን ናይ ግብጺ ቋንቋ (ቅጵጥ) ንምንታይ ከም ዝተደለየ ኪገልጽ ከሎ “እቲ ዘሕዝን እቲ ዝሞተ ቋንቋ ኣብ’ዚ ቤት ትምህርቲ ውን ኪመሃር ከም ዘለዎ ምግባርና ከነትርፎ ዘይንኽእል ግዴታ ስለ ዚነበረ እዩ” ይብል።

ብዘይካ እቲ ናይ ቋንቋን ናይ ቁጽርን ትምህርቲ ካልእ ብተወሳኺ እቲ ቤት ትምህርቲ ኣተኩሮ ዚገበረሉ ድማ ናይ ዶግማ ትምህርቲ ኮይኑ ኣብ ናይ ግብጺ ቤተ ክርስቲያን ንመጻኢ ካህናት ኪኾኑ ዚተሓሰቡ ዲያቆናት ኣብ’ዚ ትምህርቲ’ዚ ነዚ ናይ ፕሮቴስታንተ ናይ ዶግማ ትምህርቲ ከም ማይ ከም ዝሰትይዎ ተገብረ። ኣብ ግብጺ እናተለመደ መጺኡ ዚነበረ ናይ ፈረንሳይ ቋንቋ ግን ኣብ ግብጺ “ንፓትርያርካዊ ሥርዓት” ናይ ምኽባር ባህሊ ንኸስፋሕፍሕ ተጽዕኖ ስለ ዝፈጥር ኣብ’ቲ ቤት ትምህርቲ ቦታ ከም ዘይህልዎ ተገብረ። ናይ’ዚ ቤት ትምህርቲ ተጽዕኖ ድማ ኣብ ውሽጢ ሓጺር ጊዜ ኣብ ናይ ግብጺ ቤተ ክርስቲያን ጽላሎቱ ከውድቕ ጀመረ።

 ናይቲ ቤት ትምህርቲ ስዉር ዕላማ ዘይተረድኡ ኣቦታት ድማ ነቲ ቤት ትምህርቲ ከም ሓደ ዓቢይ ኣገዳሲ ቤት ትምህርቲ ጌሮም ይቖጽርዎ ነበሩ። እቲ ዘሐዝን ኣብ’ቲ ሽዑ ጊዜ ብ1847 ናይ ኢስናህ ሊቀ ጳጳስ ዝነበሩ ብፁዕ አቡነ ሚካኤል ወዲ ጓሎም ዝኾነ መንእሰይ ዲያቆን ኣምጺኦም ሌይድነር ንዝበሃል  መምህር ናይቲ ቤት ትምህርቲ ነዚ ቆልዓ እዚ ምሃረለይ’ ኢሎም ብሓደራ ኣሕሊፎም ሃብዎ። እዚ ቤት ትምህርቲ እዚ ብዙሕ ኣይጸንሐን፡ ከምቲ ዝደለናዮ ውጽኢት ኣይረኸብናሉን ብምባል ብናይ ባዕሎም ብናይ ሚስዮናውያን ውሳኔ ከም ዝዕጾን ካልእ ስልቲ ምቅይያር ከም ዝግበርን ኮነ። እቲ ቤት ትምህርቲ ንሓጺር ጊዜ ዚጸንሐ እኳ እንተ ነበረ ኣብ ናይ ግብጺ ቤተ ክርስቲያን ዝዘርኦ መርዚ (ክሕደት) ግን ንነዊሕ ጊዜ ጸኒሑ እዩ። ኣብ’ቲ ቤት ትምህርቲ ዚተማህሩን ብተዘዋዋሪ ተጽዕኖ ዝወደቖም ካህናት ዲያቆናትን ምእመናንን ብፕሮቴስታንታዊ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ኣተረጓጉማ ሕልናኦም ተረቢሹ ምስ ናይ ኦርቶዶክሳዊ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ኣተረጓጉማ ምውህሃድ ኣቢዎም ነበረ። 

ነቶም በብግዜኡ ዚለዓሉ ዝነበሩ ክርክራት መበገሲኦም ምስ ተጻረየ ድማ እቶም ኣብ’ቲ ቤት ትምህርቲ ዚተማህሩ ሰባት ምዃኖም ተረጋገጸ። ብዙሓት ግብጻውያን ምእመናን ካብታ ናይ ቅዱስ ማርቆስ መንበር ዝኾነት ናይ እስክንድርያ ቤተ ክርስቲያን ወጺኦም፡ ናብ ፕሮቴስታንት ኪኹብልሉ ከለዉ፡ ፍርቆም ድማ ኣብ ውሽጢ እታ ቤተ ክርስቲያን ኮይኖም ካብ ሚስዮናውያን ዝተዋህቦም ናይ ፕሮቴስታንታዊ ተሃድሶ ሥርሖም ቀጸሉ። መናፍቓን ኣብ ናይ እስክንድርያ ቤተ ክርስቲያን ዚኣለምዎ ተንኮል ክንድዚ ዝኣልክ ርሕቀት ምስ ተጓዕዘ፡ እቶም ብዘይ ፍላጥ መገዲ ዚጸረጉሉ ብፁዕ ወቅዱስ አቡነ ጴጥሮስ  1852 . ምስ ዓረፉ እቲ ቀዳማይ ምዕራፍ ምስኦም ሓቢሩ ዓረፈ። ……ይቕጽል


Thursday 25 August 2016

መርዓ ብናይ ቅዱስ ዮሐንስ አፈወርቅ ኣረኣእያ 1ይ ክፋል


 ቅዱስ ጳውሎስ ንቆላስዮስ ሰባት ኣብ ዚለኣኸሉ መልእኽቱ ምዕራፍ 4:12 ንዘሎ ሃይለ ቃል ቅዱስ ዮሐንስ  ኣብ ዚተርጎመሉ መበል 12 ድርሳኑ፡ ኣብ ዘምኑ ይፍጽም ንዝንበረ ናይ ርዓ  ርዓ መሰረት ብምግባር፡ መርዓ ብዝምልከት ስፍሕ ዚበለ ትምህርቲ ሂቡ እዩ።

ቅዱስ ዮሐንስ ፈወርቅ ነቶም ብምኽንያት መርዓ ዚወጽኡ ወጻኢታትን ዳንኬራታትን ኣጽኒዑ ዚቃወም ኣቦ እዩ። በዚ ጽሑፍ` ድማ ነዚ ከነስትውዕል ንኽእል ኢና። ሓዳር እንታይ እዩ? ምርኢት (ድራማ) ድዩ? ኣይኮነን። ዋላ እኳ ንስኻትኩም ንሓዳርን ንምሳሌኡን ኣኽብሮት እንተዘይብልኩም፡ ሓዳር ግሩም ምስጢርን ዓቢይ መንፈሳዊ ጢር ምሳሌ እዩ። ቅዱስ ጳውሎስ ብዛዕባ` ኪምህር ከሎ፡ `እዚ ጢር እዚ ዓቢይ እዩ` ይብል` ደጊሙ ውን ` ኣነ ግን ብክርስቶስን ቤተ ክርስቲያንን እምስሎ ኣለኹ` ይብል።(ኤፌ 532) መርዓ ናይ ክርስቶስን ናይ ቤተ ክርስቲያንን ምሳሌ እዩ። ኣብ` ከም` ዚበለ ክቡር ጢር ዳንኬርኛታት (ደረፍቲ) ብምግባዝ ንዝሙት ከተላልዩ ይግባእ እዩ? እንተ ኾነ ግን ሓደ ካባኻትኩም `ከም` ኪትብል ከለኻ ደናግል ወይ ዚተመርዓ ኣይሳዕስዑ ማለትካ ድዩ? ከምኡ እንተኾይኑስ ንሳቶም ኣብ` መርዓ` ዘይሳዕስዑ ድኣ መን ኪስዕስዕ እዩ? ኢሉ ኪሓተኒ ይኽእል እዩ። ናተይ መልሲ ግና ዋላ ደ ሰብ ኣይሳዕስዕ ዚብል እዩ። ኣብ ወገን ኣሕዛብ ኣብ ከም` ዚኣመስለ ርዓታቶም ዳንኬረኛታት (ደረፍቲ) ዳንኬራታት (ደርፍታት) የቕርቡ እዩ። ኣባና ግን ዚኾነ ዓይነት ጢራት ኪፍጸሙ ከለዉ ብጸጥታን ብትሕትናን ብሰናይ ምግባርን ከምኡ ውን ብጽቡቕ ርዓት እዩ። እዚ ናይ መርዓ ርዓት ኣመንዝራታትን እግዚአብሔር ዘይፈርሑን (ደረፍትን ሳዕሳዕትን) እንተጋቢዞምሉ፡ ከመይ ኢልና ኢና መንፈሳዊ መርዓ ኢልና ኪንጽውዖ ንኽእል? ከም` እንተኾይኑ ደኣ ከመይ ጌርካ እዩ እቶም ክልተ ኣካላት ሓደ ኮይኖም ኪበሃል ዝከኣል? ክርስቶስ ኣብ ዚተረኽበሉ መርዓ ግን ዳንኬራ የለን ናይ እምብልታ ድምጺ ውን ኣይስማዕን እዩ። እንተኾነ ግን ግሩም ዚኾነ ጸጥታ ዚሰፈኖ፡ ብዓቢይ መንፈሳዊ ርዓት ዚፍጸም እዩ። በዚ ርዓት` ሓደ ኣካል ናብ ምዃን ኪመጹ ከለዉ፡ ሓድነቶም ሕይወት ኣልባ ፍጥረታት (ሕይወት ዘይብሎም ፍጥረታት) ከም ዘለዎም ሓድነት፡ ወይ በዚ ምድሪ ዚርአ ዓይነት ሓድነት ኣይኮነን።

እንተ ኾነ ግን ናይ እግዚአብሔር ኣርኣያን ኣምሳልን ኮይኖም ሓደ ኑ። እዚ ዓቢይ ዚኾነ ጢር ኣብ ዚፍጸመሉ ቦታ፡ ከም ኣራዊት ዓቢይ ህውከትን ረበሻን ከምኡ ውን ንነፍሲ ዘርስሑ ካልኦት ዓበይቲ በደላት ይፍጸሙ። ክልቲኦም ሓደ ኣካል ብምዃኖም ኣብኡ ዘሎ ናይ ፍቕሪ ጢር ኣስተውዕል፡ እዞም ክልተ ኣካላት ክልተነቶም ሒዞም ዚቕጽሉ እንተኾይኖም ኪባዝሑ ኣይክእሉን እዮም። እንተ ኾነ ግን ሓደ ናብ ምዃን ኪመጹ ከለዉ ይበዝሑ። ካብ` እንታይ ኢና ንመሃር? ናይ ሓዳር ዓቢይ ክብሪ ኣይኮንናን ንመሃር? ላሴ ኣብ መጀምርያ ኣብ ዚገበርዎ ባይቶ፡ ነዞም ክልተ ኣካላት ሓደ ጌሮም ፈጥርዎም። ስሞም ድማ ሰብ በልዎም። ድሓር ድማ ነዞም ሓደ ሮም ዚፈጠርዎ ኣካላት ክልተ ብምግባር ገለጾ።


ዋላ እኳ እዞም ኣካላት እዚኣቶም ክልተ እንተኾኑ፡ ናይ እግዚአብሔር ፍቓድ ግን ሓደ ኪኾኑ ስለ ዝነበረ መሊሱ ብሓዳር ሓደ ገበሮም። ናቱ ፍቓድ ንኽግለጽ ውን ሓደ ይኑ ኣምሳሉ ንምውላድ ብቑዕ ከም ዚኸውን ኣይገበሮን። ስለ` ምስ` ተቓራኒ ኣካል ሓድነት ንዘይመስረተ ሰብ ሓደ ኣካል ዚበሃል መጸውዒ ኣይወሃቦን እዩ። እንተ ኾነ ግን ናይ` ካልእ ፍርቂ ኣካል ይበሃል። ነዚ ምስክሩ ድማ ንበይኑ ውሉድ ምውላድ ዘይምኽኣሉ እዩ።

እዚ ርዓት` እግዚአብሔር ኣቐዲሙ ርዓት እዩ። ነዚ ናይ ቃል ኪዳን ጢር ኣስተውዒልኩምሉ ? ኣቐዲሙ ሓደ ጌሩ ፈጠሮም ድሒሩ ደማ ነጻጸሎም፡ ደጊሙ ድማ ነዞም ክልተ ዚነ ወገናት ናብ ሓድነት ኣምጽኦም። ከም` ጌሩ ስለ ርሖ፡ ሰብ ብሓዳር ሓደ ካብ ዚኾኑ ወገናት ከም ዚፍጠር ኮነ። ሰብኣይን ሰብይትን ክልተ ኣካል ዘይኮኑስ ሓደ ኣካል እዮም። እዚ ብብዙሕ ረዳእታት ምርግጋጽ ይከኣል እዩ። ብያዕቆብ ወይ ድማ ብኣደ ጎይታናን መድሓኒናን ቅድስት ድንግል ማርያም፡ ወይ ድማ እግዚአብሔር ሰብ ኪፈጥር ከሎ፡ `ሰብ ብመልክዕናን ብምስልናን` ንፍጠር ሰብኣይን ሰበይትን ጌሩ ፈጠሮም (ዘፍ 127-28) ብዚብል ቃሉ ምርግጋጽ ይከኣል። ሰብኣይ ርእሲ እንተኾይኑ ሰበይቲ ድማ ዚተረፈ ኣካሉ ትኸውን። ስል` ሓደ ናይ ደቀ መዝሙርነት መዓርግ ኪህልዎ ከሎ ሓደ ድማ ናይ መምህርነት ቦታ ይሕዝ። ሓደ መራሒ ኪኸውን ከሎ እቲ ካልእ ድማ ተኣዛዚ ይኸውን። ሔዋን ካብ ጎኒ ኣዳም ትረኸብ እምበር ንድሕሪት ምልስ ኢልና ናታ ልደት ምስ ንምርምር ኣብ ሓደ ኣካል ከም ዚነበሩ ኢና ነስተውዓል። በዚ ምኽንያት ሓደ ኣካል ከም ዚኾኑ ንምርዳእ ክብል እግዚአብሔር ነታ ሰበይቲ ደጋፊት በላ ዘፍ 218 ንሱ እግዚአብሔ ኣምላኽ ብሓድነት ካብ ምምባሮምን ኣቦን ኣደን ካብ ምዃንን ብዝበለጸ ሓደ ኣካል ብምግባር ኣኽበሮም።(ዘፍ 224) ……ይቕጽል