bieteelyas.blogspot.com ቤተ ኤልያስ

Tuesday 6 September 2016

ወላዲተ ኣምላክ ቅድስት ድንግል ማርያም ጥንተ ኣብሶ ኣለዋ ዚበሉ ዘቕረብዎም 10 ነጥብታትን ብሊቃውንት ዚተዋህበ መልስን 1ይ ክፋል

እዚ ጽሑፍ እዚ መጋቤ ሐዲስ ሮዳስ ታደሰ ነገረ ማርያም በሐዲስ ኪዳን ብዝብል ካብ ዝዳለውዎ ዚተርጎምኩዎ ኮይኑ፡ ሓደ ሓደ ባዕለይ ካብ ኣዋልደ ምጻሕት ዘእተኹዎም ውን ኣለዉ። ተደጋጋሚ ንትሓትዎ ዘልኹም ሕቶ ምሉእ መልሲ ኪኾነልኩም ይምነ። ሰናይ ንባብ. . . . .

 1ይ ተቓውሞ ቀዳሞት፥- ናይ ቤተ ክርሰቲያን ሊቃውንት ኣይመሃርዎን ንመጀመርያ ጊዜ ሓደ ብ 1885 ናይ ሮማ ካቶሊክ ፖፕ ዝነበረ ቲዩሰ ካልኣይ ኢዩ ምሂርዎ ይብሉ። ነዚ ድማ ቲዩስ ብዛዕባ “Immsculate Conception” ዝመሃሮ ትምህርቲ ይጠቕሱ።

 እዚ ድማ መጻሕፍቲ ብዘይምፍላጦም ወይ ውን ሰብ መጻሕፍቲ ኣይፈልጥን እዩ እሞ ከነጋግዮ ንኽእል ኢና ካብ ዝብል ኣጉል ሓሳብ ዝመጽአ ድኣ እምበር፡ ብዛዕባ ንጽሕና ድንግል ማርያም’ሲ ገና ቅድሚ ምውላዳ ብነብያት ብመላእኽቲን ካብ 1ይ ሚእቲ ክፍለ ዘመን ጀሚሮም ክሳብ ሕጂ ብዘለዉ ሊቃውንትን ተሰቢኹ እዩ ገለ ካብኡ ቀጺልና ንርአ።

ቅዱስ ኤፍሬም ሶርያዊ፥ኦ ንጽሕት ድንግል ርኽሰት ዘይብልኪ፡ ቃለ ኣብ መጺኡ ካባኺ ሥጋ ስለ ዝለበሰ ደስ ይበልኪ። ኦ ርስሐት ዘይብላ ጽርይቲ ነውሪ ዘይብላ ፍጽምቲ ሙዳይ ደስ ይበልኪ ዘረ ቊ 5

ቅዱስ ኣትናቴዎስ፥-  (,,,,,,ንጹሕን ዘይተተንከየን ድንግል,,,,, ኦ ዝኸበርክን ዝተደነቕክን ድንግል ንስኺ ብሓቂ  ካብ ማንም ናይ ካልእ ዕብይት ዝበለጽኪ ኢኺ። ናይ እግዚኣብሔር መሕደሪ ምስ ዝኾንኪ ምሳኺ ብማዕርነት ዝወዳደር መን ኢዩ? ኦ ድንግል ካብ ኩሉ ፍጥረታት ንዓኺ ምስ መን ከንጻጽረኪ ኢየ? ኦ ብቃል ኪዳን ልዕሊ ኹሉ ዝኾንኪ ኣብ ክንዲ ወርቂ ንጽሕና ዝተጎናጸፍኪ ንስኺ ሓቅኛ መና ዝሓዘት  ናይ ወርቂ መሶብ ኢኺ እዚ ውን መለኮት ዝተውሐዶ ስጋ ኢዩ) ቅዱስ ኣትናቴዎስ 295-375 ዓ።ም

ቅዱስ ቴዎዶጦስ፥- ኦ ሰላምታ ዝግበኣኪ ምልእተ ጸጋ ጎይታ ምሳኺ ኢዩ ንስኺ ዝተባረኽኪ ኢኺ ካብ ኩለን ኣንስቲ ዝጸብቕኪ ኣዚኺ ዝተቐደስኪ ኢኺ እግዚኣብሔር ምሳኺ ኢዩ። ኦ ካብ ኩሉ ንላዕሊ ቅድስቲ ዝኾንኪ ክብርቲ ኦ ጎይታ ምሳኺ ዝኾነ ውዳሴ ዝተገብኣኪ ተወዳዳሪ የብልክን፡ ኦ ካብ ምጎስ ንላዕሊ ዝኾንኪ ኦ ኩሉ ዝመለኣልኪ እግዚኣብሔር ዘኽበረኪ ምስጋና ይግበኣኪ። ናይ እግዚኣብሔር መሕደሪ መለኮት ዝሓለወኪ ዝተንከባኸበኪ ሃብቲ ኢኺ፡ ኣባኺ ኣብውሽጢ ሓጢኣት ምጽናስ ወይ ኣብ ውሽጢ ሃጢኣት ምውላድ ብፍጹም ኣይእውጅን ኢየ። ኣብ ክንዲ`ዚ ናይ ሔዋን ሓዘን ንኽብቅዕ ዝገበሮ ደስታ ኣምጺአ ኣለኹ እምበር። ኣባኺ ናይ መከራ ጽንስን ወይ ሕማመ ወሊድ ኣይእውጅን,,,,,, ንጽሕት ድንግል ነውሪ ዘይብላ ብዘይነቐፋ ዝኾነት ማንም ዘይተንከፋ ሕጸጽ ዘይርከባ ብስጋን ብነፍስን ቅድስት ኣብ ማእከል እሾኽ ከም ዝበቖለት ዕምበባ ኢያ። ናይ ሔዋን ክፋኣት ዘይትፈልጥ ናይ ደቂ ኣንስትዮ ጠባይ ዘይተራእያ ቅድሚ ምጽናሳ ንፈጣሪ ዝተፈልየት ናይ ቤተ መቕደሰ ጋሻ ናየ ሕጊ ደቀ መዝሙር ዝኾነት መንፈስ ቅዱስ ዝተቐብአት ናይ መለኮት ጸጋ ከም ክዳን ዝለበሰት` ቅዱስ ቴዎዶጦስ (303ዓም)

ቅዱሰ ጼጲፋንዮስ፥- ቅድስት ድንግል ማርያም ኣብ ቅድሚ ሰብን እግዚኣብሔርን ብሓቂ ክብርቲ ኢያ፡ ነቲ ሰማይን ምድርን ክስከምዎ ዘይካሉ ንዓኡ ዝተሸከመት ናታ ዕቤታ ስለ ምንታይ ዘይንእውጅ?,,,,,ንጎይታ ዘኽብር ኩሉ ንጎየታ ዝተቐደሰ መሕደሪኡ የኽብር። መሕደሪኡ ዘየኽብር (ዝቃልል) ጎይታኡ የቃልል (ኣየኽብርን) ንሳ ድንግል ዝተቐደሰ መሕደሪኡ ኢያ (ቅዱሰ ጼጲፋንዮስ 310-403)

ቅዱስ ኤፍሬም፥- ናይ ማርያም ሰውነት ኣብ ልዕሊ ምድሪ መቕደስ ኢዩ። ኣብኡ ብሓጢኣት ብሞት ኣብ ክንዲ ናይ ምድሪ መርገም ናይ በረኽት ርዘኢ ዝተዘርኣላ ናይ እግዚኣብሔር መልእኽተኛ ብሰላምታኡ ነዚ ዘርኢ ክዘርእ እንከሎ ናይ ኤልሳቤጥ ሰላምታ ነዚ ኣረጋገጸ,,,,, ስኻን ኣዴኻን ጥራይ ብማንም ዓይነት ነገር ንጹሓት ኢኹም። ኦ ጎይታ ኣባኻ ምንም (ንቅዕ) የለን፡ ኣብ ውሽጢ ኣዴኻ ውን ማንም ምልክት የለን (ቅዱስ ኤፍሬም 306-373)

ቅዱስ ጎርጎርዮስ ዘእንዚናዙ፥- ካብ መጀመርያኡ (ጥንቱ) ብመንፈስ ብሰጋን ብነፍሳን ንጽሕቲ ካብ ዝተገብረት ድንግል ተጸኒሱ ነበረ። ነዚ ሕጻን ኣብ ማህጸና ብምሽካማ ካብ ዝተላዕል ክብሪ ዝተቐበለት ኢያ (ቅዱስ ጎርጎርዮስ ዘእንዚናዙ)

ቅዱስ ኣምብሮስ፥- ብሓቂ ንሳ ጥራይ ማንም ክረኽቦ ዘይከኣለ ጸጋ ስለ ዝረኸበት ምልእተ ጸጋ ትበሃል። ማርያም ድንግል ዘይረኸሰት ጥራይ ዘይኮነት ክብራ ፈጺሙ ዘይጠሓስን ካብ ማንም ዓይነት ሓጢኣት ዝነጽሐትን ኢያ,,,,,,ካብ ኣደ ኣምላኽ ዝበልጽ እንታይ ዓቢ ነገር ኣሎ? በቲ ክቡረ ባዕሉ ካብ ምምራጽ ዝዓቢ እነታይ ዓቢ ነገር ክህሉ ይኽእል? ናብ ናይ ማንም ሰብ ኣካል ከይበጽሐት ካብ ዝጸነሰት ካብኣ ንላዕሊ እንታይ ንጽሕና ኣሎ? (ቅዱስ ኣምብሮስ) 330-397)

ቅዱስ ጂሮም፥-  ካብ ጉንዲ እሴይ ከኣ ሓደ ጠጥዒ ክጭብጭብ ኢዩ፡ ሓደ ጨንፈር ውን ካብ ሱሩ ፍረ ኽፈሪ ኢዩ። እታ በትሪ ኣደ ጎይታ ንጽሕት ፈጺማ ዘይረኸሰት ብዘይ ጾታዊ ርክብ ንብይና ከም እግዚኣብሔር ኣብ ፍረ ዝፈረየት (ንሱ ብዘይ ኣደ ከም ዝወለድ ንሳ ድማ ብዘይ ኣቦ ከም ዝወለደቶ),,,,ኣብ ቅድሚ ዝተባረኸት ማርያም  ኣዝዩ ዓቢ ዝኾን ንጽሕናኣ ኣደ ጎይታ ንኽትከውን ገበራ,,,,,፣ ንጽሕናኣ ኣዝዩ ዓቢ ነበረ ብምኻኑ ድማ ኣደ ጎይታ ንምኻን ተሓጽየት ካልኦት ብርግጽ ካብታ ኣደ ጎይታ ዝኾነት ድንግል ማርያም ብቕድስናኦም ማዕር ኽንደይ ኣዝዮም ይንእሱ ይኾኑ? (ቅዱስ ጂሮም 347-420)

ቅዱስ ቄርሎስ፥- ሰላምታ ዝተገባኪ ማርያም ናይ ኣምላኽ ኣደ ድንግልን ኣደን ብርሃን ዝተሰከምኪ ዘይተበዝበዘት ንዋይ (ልሕኲት) ሰላምታ ዝተገባኪ ማርያም ካብ  ዓለም ምሉእ ኣዚኺ ከብርቲ ፍጥረት ንስኺ ኢኺ፤ ሰላምታ ዝግባኪ ማርያም ንጽህት ርግቢት ዘይትውዳእ ዘይትጥፍእ ፋና ካባኺ ወን ናይ ጸሓይ ጸደቂ ዝተወለደ,,,,,እነሆ ብፍጹም መንፈሳዊ ቅንኣት ብኣደ ኣምላኽ ድንግልን ኣደን ብዝኾነት ማርያም ተጋቢዞም ዝተኣክቡ ናይ ቅዱሳን ጉባኤ እርኢ ኣለኹ,,,,, ንሕና ውን ሰላም ንብለኪ፡ኦ ኣደ እግዚኣብሔር ዝኾንኪ ማርያም ዝተኸበርኪ ናይ መላእ ዓለም ቅርሲ ዘይትጠፍእ ፋና ናይ ድንግልና ዘውዲ ናይታ ቅንዕቲ እምነት (ኦርቶዶክስ)ምርኩስ በትሪ ዘይትፈርሲ መቐደስ ነቲ ማንም ክሕዞ ክሽከሞ ዘይክእል ንዕኡ ዝሓዝኪ ኢኺ (ቅዱስ ቄርሎስ 376-444)

 ቅዱስ ያዕቆብ ዘሥሩግ፥- ናይ መንፈስ ቅዱስ እንዚራ ዝተባህለ ቅዱስ ያዕቆብ ዘሥሩግ ውን ካብ መርገመ ሥጋ ካብ መርገመ ነፍሲ ዝተፈልየት ምልእተ ጸጋ ከም ዝኾነት ክትንትን እንከሎ (.............እዚ ኣብኣ ዝተፈጸመ ነገራት ብርተዐ ስለ ዝሃበኒ ብዛዕባ እቲ ዘይሓልፍ ጽባቔኣ (ውህበታ) ነዞም ነገራት እዚኦም ክዛረብ ክኢለ ኣለኹ። ንሳ ንወዲ እግዚኣብሔር ኣዲኡ ብምዃና ምኽንያት ኣብዚ ምድሪ ፍጽምቲ ዝኾነት እንኮ ሰበይቲ ንሳ ከም ዘዝኾነት ርእየ ብምልኣት ኣሚነ ኣለኹ። ነቲ ጽቡቕ ካብ ሕማቕ ፈልያ ካብ ዝፈለጠትሉ ጊዜ ጀሚሩ ንሳ ብንጽሕና ልብን ብሓቀኛ ሓሳብን ጸኒዓ ቆይማ ኢያ። ኣብ ውሽጢ ሕጊ ካብ ዘሎ ጽድቂ ውን ገጻ ኣይመለሰትን። ምድራውን ሥጋውን ነገር ብምድላይ (ብምምናይ) ውን ኣይተሰናኸለትን። ካብ ሕጻንነታ ጀሚሮም ናይ ቅድስና ባህርያት ኣብ ውሽጣ ነበሩ። እናዓበየት ኣብ ዝኸደትሉ ውን ነዚኣቶም ብጥንቃቐ ኣጥቢቓ ኣብዝሓቶም። ኣምላኻ ኵሉ ጊዜ ኣብ ቅድሚ ኣዒንታ ነበረ። ብኡኡ ንኽበርሃላን ብኡኡ ደስ ንኽብላን ኣዒንታ ካብኡ ኣይኣለየትን። ንሱ ውን ንጽሕናኣን ናይ ነፍሳ ንጽሕናን ስለ ዝረኣየ ዋላ ሓንቲ ክፍኣት (ክፉእ ነገር) ስለ ዘይነበራ ኣብኣ ንኽሓድር ፈተወ። ከምኣ ዝኣመሰለት ሓንቲ ሰበይቲ ተራእያ ስለ ዘይትፈልጥ ልዕሊ ኵሉ ስራሕ ዝኾነ ዓብን ኣደናቕን ዝኾነ ስራሕ ኣብኣ ተስርሐ። ካብ ማእከል ኵለን ኣንስቲ ሓንቲ ጐርዞ ተደልየት፡ ካብ ኵለን ንላዕሊ ዝጸበቐት ብምዃና ተመረጸት፡ ቅዱስ ኣብ ንወዱ መሕደሪ እትኸውን ከዳልወሉ ደለየ፡ እንተኾነ ግን ንሱ ስለ ዝመረጻ ጥራይ ኣዲኡ ንኽትከውን ኣይፈቐደን፡ ብውሽጣን ብዙርያኣን ብዝተሰወረ  ጽባቐ ዝተመልአት ጐርዞ ከምኡ ውን ኣብኣ ንዝተኸሰቲ ምሥጢራት ንኽትርኢ ዘኽኣላ ናይ ልቢ ንጽሕና ዝነበራ ሓንቲ ጐርዞ ፈትያን ፈቒዳን ጽባቐ ክህልዋ እንከሎ እዚ ኢዩ ሓቀኛ መልክዕ፡ ፍጹምነታ ብፍቓዳ ኮይኑ ናይ ሓደ ካብ እግዚአብሔር ዝኾነ ነገር ጽባቐ ማዕረ ክንደይ ዝኣክል ዓቢ እኳ እንተኾነ፡ ነጻ ዝኾነ ውልቃዊ ፍቓድ ኣብ ውሽጡ እንተዘየለ ምስጉንነት የብሉን። ፀሓይ ጽብቕቲ እኳ እንተኾነት ዝርእይዋ ግን ኣየመስግንዋን ኢዮም፡ ምኽንያቱ ብርሃን እትህብ ፈትያ ፈቒዳ ከም ዘይኮነት ስለ ዝፍለት ኢዩ። ብገዛእ ፍቓዱን ብድሌቱን ጽቡቕ ዝኮነን ጽባቐ ዘለዎን ኵሉ ብሓቂ ጽቡቕ ክሳብ ዝኾነ ካብዚ ዝተላዕለ ጥራኢ ንሱ ብሓቂ ምስጉን ኢዩ። እግዚአብሔር ዝፈትዎ ጽባቐ ብገዛእ ፍቓድካ ዝኾነ ጽባቐ ኢዩ.....................እነሆ ታሪኻ እንዛረበላ ዘለና ድንግል ሠናይ ፍቓድ ስለ ዝነበራ ደስ እተብልን ዝተመርጸትን ኮነት። ሰብ ካብ ዝኾነት ጓል ኣንስተይቲ ንሱ ሰብ ኮይኑ መጽአ፡ ደስ ተብል ስለ ዝነበረት ካብኣ ንኽመጽእ ንዓኣ መረጻ፡ ናቱ ግርማ ካብ ኵሎም አእቶም ካብ ሰብ ዝውለዱ ዓቢ ስለ ዝኾነ ኣዲኡ ናይ ዝኾነት ናይ ማርያም መልክዕ ኣዝዩ ዝተወደሰ ይኸውን። ደስ እተብልን ንዕኡ ምርጽቲ ዝኾነት ካብ ትሕትናኣ ካብ ንጽሕናኣ ካብ ቅንዕናኣን ሠናይ ፍቓዳን ዝተላዕለ ኢዩ። ካብኣ ንላዕሊ ደስ ዘበለቶ ካልእ እንተትኸውን ኔራ ንካልእ ምመረጸ ኔሩ፡ ንሱ ቅኑዕ ፈራድን ትኽክለኛን ስለ ዝኾነ ኣምላክ ግለ ሰባት ፈልዩ ኣየኽብርን። (2ዜና 19፡7 ግ’ሐ 10፡34) ሓንቲ እንከን ወይ ጕድለት ኣብ ነፍሳ ተረኺቡ እንተ ዘዝኸውን ኔሩ ካልእ እንከን ዘይብል ኣደ ንዕኡ ምደለየ ኔሩ። እዚ ካብ ኵሉ መልክዕ ዝዓበየ መልክዕ ብሠናይ ፍቓዳ ጥራይ ዝረኸበቶ ኢዩ። ካብዚ ዝተላዕለ ኵሉ ግርምትን ክብርትን ብዝኾነት ብኣኣ ክድነቕ ናይ ግድን ኢዩ። ኣምላኽ ውን ኣዲኡ ንኽትከውን ንኽመርጻ ዝገበሮ ንሳ ኣዝያ ደስ እተብል ስለ ዝነበረት ኢዩ። ንተፈጥሮ ብዝተዋህቦ መልክዕ መጠን ልክዕ ንሳ ደስ እተብል ነበረት፡ እንተ ኾነ ግን ነዚ ደረጃ ዝበቕዐት ብፍቓዳ ጥራይ ኣይነበረን፡ ንሳ ንሰብ ዝከኣሎ ዘበለ ጻዕሪ ገበረት ኣምላኽ ካብኣ ምውጽኡ ምውላዱ ግን ናታ ሥራሕ ኣነበረን፡ ንሳ ብቕንዕናኣ ናብ ኣምላኽ ብዝተጸግዐት መጠን፡ ካብ ድሌት ነፍሳ ዝተላዕላ ንሱ ድማ ብምሕረቱ ናብኣ ተጸግዐ፡ እንተኾነ ግን ኣምላኽ ሥጋ ለቢሱ ካብኣ ምውላዱ እዚ ናቱ ጸጋ (ምሕረት) ኢዩ። ከምዚ ምሕረቱ ንዝበዝሐ ምስጋና ይብጽሓዮ። ናይ እመቤትና ማርያም መልክዕ ካብ መጠን ዝሓለፈ ኢዩ። ምኽንያቱ ካብኣ እትበልጽ ኣብ ኵሉ ዓለም ኣይተረኽበትን። ብድሕሪ’ዚ ንዕኡ ዝግባእ ንኣምላኽ ንሃብ ጸጋኡ ብዘይ መጠን ኣብ ፍጥረታቱ ስለ ዝነበ ኵሎም ዘመናት ንዕኡ ዘይበቕዑ ብሉየ መዋዕል ዝኾነ ወልድ ንዕኡ ንፍለጦ፡ ካብ ማእከል ኵለን ኣንስቲ እንከን ዘይተረኽበላ እመቤትና ማርያም ዘንጽሃን ዘዳለዋን ንረድኣዮ።


ኣባ ጊዮርጊስ ዝጋስጫ፥- አኮ ብዙሃን መናፍስት ዘይቀድሃ ብዙሃት ሃብታተ እግዚኣብሔረ ወመክፈልተ ስናያት ኣላ እም ኣሕዱ መንፈስ ውእቱኬ ጰራቀሊጦስ ዝዓቀባ ለድንግል እም ከርሰ እማ ከመ ኢትጌጊ ለዓለም ኣንጽሓ ከመ ኢትርሳሕ ቀደሳ ከሙ ኢትርኮስ ወረሰያ ታቦተ ለወልድ ዋሕድ አብ ሰምራ ወልድ ተሰገው እምኔሃ ወመንፈስ ቅዱስ ከለላ ፣ብዙሓት ዝኾኑ ናይ እግዚኣብሔር ሃብተታትን ጽቡቓት ትዕድልትታትን ካብ ሓደ መንፈስ ቅዱስ ድኣ እምበር ካብ ብዙሓት ምናፍስቲ ኣይኮኑን ዝቕድሑ ኣይኮኑነ፣ ንሱ ውን ንዘልዓለም ንኽይትብድል ካብ ማህጸን ኣዲኣ ጅሚሩ ድንግል ማርያም ዝዓቀባ ጴራቅሊጦስ ኢዩ። ንኸይትረስሕ ኣንጽሓ ንኸይትረክስ ቀደሳ ንሓደ ወዲ እግዚኣብሔር መሕደሪ ገበራ ኣብ ፈተዋ ወልድ ክብኣ ሰጋን ነፍስን ወሰደ  መንፈስ ቅዱስ ጋረዳ (ኣባ ጊዮርጊስ ዝጋስጫ 1336-1417)

ቅዱስ ጊዮርጊስ ዘጋስጫ፥- ኦ ድንግል ርኽሰት ዘይብልኪ ንጽሕቲ ኦ ድንግል ዝተመስገንኪ ብርኽቲ ኦ ድንግል ዝተመረጽኪ ቅድስቲ ናይ ድንግልናኺ ምስጋና ኣብ ኵሉ መልአ ኣር.ዘሠ ገጽ 59፡26 

ኦ ኣደፍ ጉድፍ ዘይብልኪ ንጽሕቲ ኦ ብዘይ ኃጢአት ጽርይቲ ብዘይ ርኽሰት ቅድስት ናይ ድንግልናኺ ምስጋና ዕፁብ ድንቂ ኢዩ። ኣር.ዘሠ ገጽ 91፡1
ካብ ኵሉ ርኽሰት ንጽሕቲ ካብ ኵሉ ኃጢኣት ውን ዝጸረኺ ከም ዘዝኾንኪ ዘይኣምን ኵሉ ርጉም ይኹን። ኣር.ዘሠሉ ገጽ 122፡9

ሕጂ ውን ከምዚ እናበልና ንቅድስት ድንግል ነመስግና ነድንቃ ኦ ኵሉ ጊዜ ንጽሕት፡ ኣብ ዝኾነ ሰዓት ኣደፍ ጉድፍ ዘይብልኪ ኣብ ጊዜ ፅንሲ ይኹን ኣብ ጊዜ ወሊድ (ምሕራስኪ) ዝረሳሕክሉን ዝረኸስክሉን ሰዓት የለን። (ኣር. ዘረ 213፡9) 2ይ ክፋል ይቕጽል. . . . 

No comments:

Post a Comment