bieteelyas.blogspot.com ቤተ ኤልያስ

Monday 27 March 2017

ትምህርተ ጾም ዘኦርቶዶክስ መበል 20 ኽፋል


.....ቃል እግዚአብሔር ሕያውን መስለጥን ዘለዓለማውን ስለ ዝኾነ ግና፡ እዚ ቃል እዚ ሕጂ ኣብዚ ጊዜ እዚውን እንተ ኾነ ንዅልና ነቶም እግዚአብሔር መን ምዃኑ ከይፈለጥና ኣብ ቤቱ ነገልግል ዘለና ዝምህርን ዚግሥፅን ቃል እዩ። እሞኸ ነፍሰይ እግዚአብሔር መን ምዃኑ ፈሊጥክዮ ዲኺ እዚ ዅሉ ዓመታት ዘገልገልክዮ? ክርስቶስ መን ምዃኑ ተሓቲትኪስ ምመለስኪዶ? መንፈሳዊ ኣገልግሎት ማለት እንታይ ማለት ምዃኑስ ትፈልጢ ዲኺ? ንመን ተገልግሊ ኣለኺ? ስለ ምንታይ? ዓስብኺኸ ሰማያዊ ድዩ ዋላስ ምድራዊ? ወሪድኪ ነዚ ዅሉ ሕቶታት እሞ እንታይ ኢልኪ ኽትምልስዮ ኢኺ? ሕጂ እምበኣር ንስኺ “ሓንቲ ኻብቶም ንእግዚአብሔር ዘይፈልጡ ናይ እግዚአብሔር ኣገልገልቲ” ምዃንኪ በሪህልኪ ኣሎ።

 እወ ድኃን ዚኃለፈ ውሕጅ ይውሰዶ፡ ናይ ሕጂ ጥራይ ግበሪ። እቲ እተገልግልዮ ዘለኺ ኣምላኽ እቲ ንቑስልኺ ብቑስሉ ዝፈወሰ፡ ካብ ናይ ሰይጣን ባርነት ብሞቱ ናጻ ዜውፅኣክን ዜድኃነክን፡ ከም ሽሙ መድኃኒት ዝኾነ ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ። ስለዚ ንስኺ ኣካል ክርስቶስ ኢኺ። ኣብ ኣካላትና ድማ ሥራሕ ወይ ድማ ጥቕሚ ዘይብሉ ክፍሊ ኣካላት የልቦን። ከምቲ ኣብ ኣካላትና ኢድ እግሪ ዓይኒ እዝኒ ኣፍንጫ ነናቶም ሥራሕን ጥቕምን ዘለዎም፡ ንስኺ ድማ ኣብ ሰብነት ክርስቶስ ከምኡ ኢኺ። መንፈሳዊ ኣገልግሎት ዝበሃል ድማ ተነሲሕካ ንእግዚአብሔር ብነፍስን ብሥጋን እናተገዛእካ ብፍቕርን ብድሌትን ሰማያዊ ዓስቢ ከም ዘለዎ ኣሚንካ እተገልግሎ ደኣ እምበር፡ ብስምዒትን ብዘይ ርድኢትን፡ ንሥጋዊ ጥቕምን ረብሓን ክትብል፡ወይ ድማ ሰባት ንኽሕጐስልካን ንኸድንቑኻን ኢልካ እትደኽሞ ድኻምን ሃለኽለኽን ኣይኮነን።

 ስለዚ ሓደ ሰብ “ንባዕሉ መንፈሳዊ ኸይኮነ መንፈሳዊ ኣገልግሎት ኬገልግል ኣይክእልን እዩ”። ስለዚ ነፍሰይ ሕሰብሉ እሞ “ቤተ እግዚአብሔር እናገልገልኪስ ንባዕልኺ ጠፊእኪ! እሞ ኸ ደኣ ንባዕልኺ ዘይኮንክስ መኣስ ኢኺ ንጐይታ እተገልግሊ?” ነዚ ከማኺ ዓይነት ኣገልጋሊ ፖፕ ሺኖዳ ሣልሳይ “ምስቲ ጽቡቕ ዚሠርሕ ግና ከኣ ነፍሲ ዘይብሉ ማሽን” እዮም ዘመሳስልዎ። ማሽን ጽቡቕ ይሠርሕ ንመንግሥተ ሰማያት እትኣቱ ነፍሲ ግና የብሉን። ንስኺኸ ነፍሰይ ኣብ ቤቱ ንኽንደይ ዓመት ኣገልጊልኪ? ግና ኣይተነሳሕክን ኣይቆረብክን እዚ ብዘይ ምግባርኪ ድማ መንግሥተ ሰማያት ኣይትኣትውን ኢኺ። በዚ ድማ “ምስቲ ጽቡቕ ዚሠርሕ ግና ከኣ ነፍሲ ዘይብሉ ማሽን” ማዕረ ዄንኪ ማለት እዩ።

 ጐይታውን ኣብ ወንጌል “ሰብሲ ንዅሉ ረቢሑ ነፍሱ እንተዘየድኃነ እንታይ ይጠቅም?” ክብል ገሊጽዎ ኣሎ ሉቃ 9፡25። ከምቲ ይሁዳ ኣብ ማእከል ሓዋርያት ነታ ዝተዋህበቶ ኣገልግሎት ተኃዚ ገንዘብ ተጠቒሙ ካብኣ እና ሰረቐ ኃጢአት መኻዕበቲ ዝተጠቀመላ እሞ ብሥጋን ብነፍስን ከይተጠቀመ ተሓኒቑ ነፍሱ ብምጥፋእ ሕማቕ ታሪኽ ገዲፉ ሕማቕ ኣጠፋፍኣ ዝጠፍአ፡ ከምኡ ድማ ነፍሰይ ኣብዚ ተሸይምክዮ ዘለኺ ኣገልግሎት ንኣምላኽኪ ትሰርቅዮን ትዕምጽዮን ንሥርዓቱ ተፍርስን ከይትህልዊ ሕጂ ነቒሕኪ ሕግታቱን ሥርዓታቱን ተማሃሪ እሞ ክትሕልውዮ ተጋደሊ። 

 እቲ ኣብ ቤት ኣቡኡ ዘገልግል ዝነበረ ውሉድ ውን ኣብ ቤት ኣቡኡ እንከሎ እዩ ዝጠፍአ። እቲ ኃዉ ብጽሒቱ ኂዙ ካብ ገዛ ብምውፃእ ክጠፍእ እንከሎ፡ እቲ ምስ ኣቡኡ ዝተረፈ ድማ ኣብታ ናይ ቤተ ክርስቲያን ምሳሌ ዝኾነት ቤት ኣቡኡ እናገልገለ እንከሎ ጥፉእ እዩ ዝነበረ። ምኽንያቱ ኃዉ ካብቲ ዝጠፍኦ ምስ ተመልሰ ኣብ ክንዲ ዝሕጐስ ብኣንጻሩ “እነሆ አነ ክንድዚ ዓመት ተገዛእኩኻ፡፡ካብ ትእዛዝካውን ከቶ ኣይወፃኹን፡ ንኣይሲ ምስ ኣዕሩኽተይ ዝሕጐሰሉ መሓስእ እኳ ኣይሃብካንን፡ ነዚ ገንዘብካ ምስ ኣመናዝር ኮይኑ በሊዑ ዝወድአ ወድኻ ምስ መጸ ግና፡ ስብሕቲ ላም ሓረድካሉ” ብምባል ዝተዛረቦ ቃል ጥፉእ ከም ዝነበረ ዘረጋግጽ እዩ። ምኽንያቱ ከምቲ ጐይታና ዝመሃረና እታ ዝዓበየት ትእዛዝ “ንእግዚአብሔር ኣምላኽካ ብዅሉ ኃይልኻን ብዅሉ ልብኻን ብዅሉ ነፍስኻን ኣፍቅር፡ እታ ካልኣይቲ ንኣኣ ትመስላ ድማ ንብጻይካ ከም ነፍስኻ ኣፍቅር” ዝብላ እየን /ሉቃ 10፡27/። 

 እዚ ውሉድ እዚ ግና ንእግዚአብሔር ኣቡኡ ኬገልግል እንከሎ ብፍቕሪ ኣይኮነን ዘገልግሎ ነይሩ። ነዚ መረጋገጺኡ ድማ “ተገዛእኩኻ” ዝበሎ ቃል ንኣምላኽ ምግልጋል ከም መግዛእቲ ገይሩ ምቚጻሩ “ፍቕሪ እግዚአብሔር” ከም ዘይነበሮ መረጋገጺ እዩ። ዝጠፍአ ኃዉ ተመሊሱ ኣብ ክንዲ ዝሕጐስ ንምንታይ ላም ሓሪድኩምሉ ኢሉ ምኽሳሱን ገዛ ምእታው ምእባዩን ድማ “ፍቕሪ ኃዉ ፍቕሪ ብጻይ” ከም ዘይብሉ መረጋገጺ እዩ ሉቃ 15፡11-32።

 ሎሚ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ትገብርዮ ዘለኺ ተግባራትውን ምስዚ ታሪኽ እዚ ተመሳሳሊ እዩ። ጠፊኡ ዚነበረ ኃውኺ፡ ጠፊኣ ዝነበረት ኃፍትኺ ክመጹ እንከለዉ፡ ገጽኪ ኣብ ክንዲ ዝበርህ፡ ርስቱ ከም ዝተመጠንለ ሰብ ገጽኪ ኣሲርኪ ትርእይዮም፡ ንስኺ ኣብቲ ቤት ኣቦይ ትብልዮ ቤት ኣምላኽ ነዊኅ ተመላሊስኪ ልብኺ ግና ከይተመለሰን ፍረ ከይፈረኽን ኦም ናይ ክረምቲ ዄንኪ ኪትተርፊ እንከለኺ፡ እቶም ብናትኪ ኣረኣእያ ጥፉኣት ዝነበሩ ካብ ጓይላን ካብ ደርፍን ካብ ስርቅን ካብ ዝሙትን ኣምሊጦም፡ ኢራብ ንዓይኒ ማያት ከም እትናፍቕ ንእግዚአብሔር ብልቢ ናፊቖም ብምምጻእ ኣብ ውሽጢ ሓጺር ጊዜ ካብ ናትኪ ዝበዝኅ  መንፈሳዊ ፍረ ኪፈርዩ ምስ ረኣኺ፡ ዓይንኺ ደም መሊኡ፡ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ብዙኅ ጊዜ ስለ ዝተመላለስኪ ቤተ ኣምላኽ ዝያዳ እቶም ብድኅሬኺ ዝመጹ ንኣኺ ዝብጽሓኪ ኾይኑ ድማ እዩ ዝስምዓኪ።

 ነባራት ካህናት ነቶም ሓደሽቲ ዝመጹ ካህናት ክጸልእዎም ናይ ኣገልግሎት ቦታ ኪኸልእዎም፡ ነባራት መዘምራን ነቶም ሓደሽቲ ኬጨንቕዎም ኬሳድድዎም ምርኣይ ስለ ዝበዝኀ ነዚ ከም ንቡር ወሲድክዮዶ ትኾኒ? ኣይፋልክን ንዒ ተመለሲ እዚ ሕይወት ኣይህብን እዩ። ዝጠፍአ ስለ ዝተረኽበ መላእኽቲ ሰማይ ተሓጐሱ፡ ንስኺ ደኣ ናይ መን መንፈስ እዩ ኃዲርኪ ኃውኽን ኃፍትኽን ምስ ተመለሱ ምስ ተዓረዩ ምስ ዓንበቡ ምስ ፈረዩ ኣብ ልዕሊኦም ብቕንእን ብቚጥዐን ብጸለመን ትለዓሊ? ድኅረይ መጺኡ ከመይ ገይሩ ካባይ ንላዕሊ ይኸውን? ከመይ ገይራ ካባይ ንላዕሊ ትኸብር? እናበልኪውን ኣይትጨነቒ፡ ክብሪ ንዝግብኦ እዩ ዝወሃብ፡ እግዚአብሔር ከምዚ ገይሩ ኣብ ደቁ ጸጋ ስለ ዘፍሰሰ ብሕያውነቱን ብፍቕሩን ደኣ ኣመስግንዮ እምበር፡ በዚ ንምንታይ ድኅረይ መጺኦም ማዕረይን ልዕለይን ይኾኑ እናበልኪ ንፈጣሪኺ ኣይትውቀስዮ።

 “መንግሥተ ሰማያት ሕጊ ወንጌል ተስፋ ኢየሱስ ክርስቶስ ነታኽልቲ ወይኑ ሰብ ውዕለት ኪሰማማዕ ኣንጊሁ ዚወፀ በዓል ቤት እዩ ዝምሰል እሞ ቀዳሞት ዳኅሮት፡ ዳኅሮት ቀዳሞት ኪኾኑ እዮም” ዝብል ከ ኣየንበብክን ዲኺ?እቲ ጐይታ ነቶም ብነግህ ዚረኸቦም ብሣልሰይቲ ሰዓት ዝረኸቦም ብሳድሰይቲ ሰዓት ብታስዐይቲ ሰዓት ዝረኸቦም ምስቶም ኣብ መወዳእታ ማለት ኣብ መበል 11 ሰዓት ዝረኸቦም ንውዕለቶም ኪኸፍሎም ዚተሰማምዖ ዋጋ ሓደ ዲናር እዩ።

 እቶም ብነግህ ዚተጸውዑ ምስቶም ኣብ መበል 11 ሰዓት ዚተጸውዑ ማዕረ ኪቕበሉ ምስ ረኣዩ፦ “ነዞም ሓንቲ ሰዓት ዚሠርሑ ዳኅሮት፡ ምሳና ምስዞም ድኻም መዓልትን ሃሩር ዝፆርና ኣደላደልካዮም እናበሉ ኣብ ልዕሊ እቲ በዓል ቤት ኣዕዘምዘሙ” ከም ዝተባህለ ኣይተዕዘምዝሚ /ማቴ 20፡11-12/።

 “ንሱ ኸኣ ንሓደ ካብኣቶም ከምዚ ኢሉ መለሰሉ፡ ዓርከይ ኣይዓመጽኩኻን ብሓደ ዲናርዶ ኣይተሰማማዕኩኻን። ዚብጽሓካ ደኣ ኂዝካ ኺድ፡ ነዚ ዳኅራይ ድማ ክንዲ ናትካ ክህቦ ፍቓደይ እዩ። እወ ድማ ብገንዘበይ ዝደሌኹዎ ኪገብርዶ ኣይግብኣንን እዩ? ወይስ ኣነ ሕያዋይ ስለ ዝኾንኩዶ ዓይንኻ ቀናእ እዩ? ከምኡኸስ ጽውዓት ብዙኃት እዮም፡ ኅሩያት ግና ውሑዳት እዮም እሞ ዳኅሮት ቀዳሞት ቀዳሞትውን ዳኅሮት ኪኾኑ እዮም” ኢሉ ከም ዝመለሰሉ፡ ኣምላኽና ሃብታም ስለ ዝኾነ ንዅልና ዝኣክል ምሉእ ትዕድልትን ጸጋን ኣለዎ፡ ዘዝሃበና ደኣ ተቐቢልና ነመስግን እምበር ንሱ ብዝሃበና ውህብቶ ኣብ ቤቱ ኣይንደፋፋእ።

እወ ንሱ ነቶም ቀዳሞት ማለት ካብ ሕፃንነቶም ጀሚሮም ምሉእ ዕድሜኦም ዝኣመኑ ዋጋኦም ማለት ነቲ ብእምነትን ብጥምቀትን ዝርከብ ክብሪ ሃቦም፡ ኣብ ጊዜ እርግና ዝኣመኑ መጽኡ እሞ ብእምነትን ብጥምቀትን ዝርከብ ክብሪ ሃቦም። ብዕለተ ኣቤል ዝነበሩ ብዕለተ ስቕለት ምስ ዘለዉ፡ ብዕለተ ስቕለት ዘለዉ ኸኣ ብዕለተ ኣቤል ምስ ዝነበሩ ሓደ ይኾኑ። ብኣካለ ነፍስ ዘለዉ ምስቶም ብኣካለ ሥጋ ዘለዉ፡ ብኣካለ ሥጋ ዘለዉ ኸኣ ምስቶም ብኣካለ ነፍስ ዘለዉ ሓደ ይኾኑ።

“ብተጋድሎ ቀደሙና ኣኽሊል ብምቕባል ግና ኣይቀደሙናን፡ ኣኽሊል ክብሪ ንምቕባል ሓደ ጊዜ ኪኸውን ወሰነ” ከም ዝብል ቅዱስ ዮሓንስ ኣፈወርቅ /28 ክፍሊ ተግሣፅ ዕብ 11፡40/


ቅዱስ ጳውሎስ ድኅሪ ሰብዓን ክልተን ኣርድእትውን ደንጉዩ እዩ ናብ ቊጽሪ ቤተ ክርስቲያን ተጸንቢሩ። እንተ ኾነ ግና እቲ ኣቐዲሙ ዝተጸውዐ ማርቆስ ንእስክንድርያ ብምልእታ ኂዝዋ ናብ ጐይታ ክኸይድ ከሎ፡ እቲ ዶንጉዩ ዝተጸውዐ ጳውሎስ ግና ንዓለም ብምልእታ ኂዝዋ ናብ ሐቚፎ ጐይታ ከም እትቐርብ ጌርዋ። ማርቆስ ናይ እስክንድርያ ቤተ ክርስቲያን ክምሥርት ከሎ፡ ጳውሎስ ድማ ኣጽናፋዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ኵሉ ከም እትምሥረት ገይሩ። እቲ ድኂሩ ዝመጸ ብዙኅ ስለ ዝጎየየ፡ ንዓለም ብምልእታ ወንጌለ መንግሥት ከም ዝበጽሓ ገይሩ።

ቅዱስ ጳውሎስ ናይቶም ደንጕዮም ኣገልግሎት ዝጅምሩ ምሳሌ ኮይኑ ዝግለጽውን እዩ። ቀዲምካ ናይ ዝተጸዋዕካ(ኣገልግሎት ናይ ዝጀመርካ) ዘይኮነስ በቲ ዝተዋህበካ ጸጋ ኣምላኽ ጸኒዕካ ናይ ዘገልገልካ ከም ዝኾነ እዚ ድኂሩ ዝመጽአ፡ ግና ኸኣ ብዙኅ ዚሠርሐ ሓዋርያ ናይ ኵልና ኣብነት እዩ።

ሎሚ ውን ኣብ ቤተ ክርስቲያን ዝርአ ዓይነት ጽውዓ ኣምላኽ ከምዚ እዩ። ኣብ ዘመንና ምስቲ ዘመን ዝተቐየረ ነገር የለን። ከም ዑደት መሬት እቲ ዕዮ ናብ ዝተፈላለዩ ሰባት ምትኅልላፍ እንተ ዘይኮይኑ ሓድሽ ነገር የለን። ኣቐዲሞም ብንጉሁኡ ዝተጸውዑ (ኣገልግሎት ዝጀመሩ) ከም ጴጥሮስ ኣለዉ፣ ኣብ ጊዜ ቐትሪ ደንጕዮም ጽውዓ ኣምላኽ ዝበጽሖም (ኣገልግሎት ዝጀመሩ) ከም ጳውሎስውን ኣለዉ። እንተ ኾነ ግና፡ እቶም ደንጕዮም ዝተጸውዑ ካብቶም ብንግሆ ዝተጸውዑ ንላዕሊ ዓቢይ ነዚ ዘመን ዝልውጥ ኣገልግሎት ክዓዩ ከም ዝኽእሉ፡ ኣሜን ኢልና ክንቕበሎ እንተ ዘይክኢልና ነዞም ዳግማውያን ጳውሎስ ዝኾኑ ኣምላኽ ነዚ ወለዶ ክልውጡ መዲቡ ዘተንሥኦም ደገፍቲ ዘይኮነስ ዓንቀፍቲ ብምዃንና ኣምላኽ በዚ ወለዶን በቶም ቅኑዓት ኣገልገልትን ከይሓተና ከነስተውዕል ይግባእ።

ሎሚ ኣብ ቤተክርስቲያን ዝረአ መምዘኒ ጸጋኻ ዘይኮነስ፡ ኣንጊህካ ክትመጽእ ብምኽኣልካ ምዃኑ ዘኅዝን እዩ። ኣቐዲሙ ንዝመጸ ንጴጥሮስ ተቐቢልና ድኂሩ ንዝመጸ ንጳውሎስ እንተ ንዒቕና፡ መዓይይቲ እዮም እሞ ጴጥሮስ ብዘይ ጳውሎስ ኣይሠርሕን እዩ። ንጳውሎስ ክንቅበሎ ስለ ዘይከኣልና ብዙኃት ክድኅኑ፣ ካብ ግጉይ ትምህርቲ መሊቖም ክወፁ፣ ካብ ምንዝርናን ወልፍን ክላቀቑ ዝግብኦም ስነምግባሮም ዝተበላሸወ፡ ሃይማኖቶም ዘንቆልቆለ ምእመናንን ኣገልገልትን ክልወጡን ክጸንዑን ኣይክእሉን እዮም።

ኣብያተ ክርስቲያን ብበረኸት ኣምላኽ ከዕለቅልቓ፡ ገዳማትና ሕገ ጳጉሚስ ኣኽቢሮም ዝኸዱ መነኰሳት ከፍርያ፡ መምሃራንና ኣሰር ሓዋርያት ዝስዕቡ ንመናፍቕ ዝረትዑ፡ ንፍልስፍና ዝምልሱ፡ ንቤተክርስቲያን ካብ ተኹላ ዝከላኸሉ፡ ንመእመናን ዝጓስዩ፡ ንኣሕዛብ ዘእምኑ፡ ክርከቡ ዝኽእሉ በቲ ንጴጥሮስ ዝተቐበልናዮ መምዘኒ ድኂሩ ንዝመጽእ ዳግማዊ ጳውሎስውን ክንቅበሎ እንተ ኽኢልና እዩ።

መን ይኣምን እቲ ድኂሩ ዝመጽእ፡ ልዕሊ እቶም ኣብ ቤተክርስቲያን ዘመናት ዘቚጸሩ ንላዕሊ ብዙኅ ከም ዝዓየላ!!! አረ መን እዩ ኸ ዝርዳእ ቤተክርስቲያን ካብ ጴጥሮስ ንላዕሊ ጳውሎስ ከም ዝሠርሓላ!!!

ኣስተውዕሉ! ኣብ ቤተ ክርስቲያን ነዊኅ ዕድመ ዘቚጸረ ካብ ጳውሎስ ንላዕሊ ጴጥሮስ እኳ እንተ ነበረ፡ መልእኽቶም ከም ቤተ ክርስቲያን ጌርና ንውሰዶ እንተ ተባሂሉ፡ እቲ ድኂሩ ዝመጽአ ጳውሎስ ፲፬(14) ኣብያተ ክርስቲያን ክሓንጽ ከሎ፡ ኣቐዲሙ ዝመጸ ጴጥሮስ ግና ፪(2) ኣብያተ ክርስቲያን ሓኒጹ። ስለዚ ካብዞም ክልተ ናይ እምነት ኣዕኑድ ዝኾኑ ሓዋርያት ከም እንርድኦ፡ ኣብ ጽውዕኦም ዋላ እኳ ቅድምን ድኁርን ኮይኖም ናብ ኣገልግሎት እንተ መጽኡ፡ ብምትሕልላውን ብምክብባርን ነቲ መንፈስ ቅዱስ ኣብኣቶም  ዘቐመጠሎም ጸጋ ኣኽቢሮም፡ ክዓዩ ብምኽኣሎም እቲ ንቤተ ክርስቲያን ከበርክትዎ ዝግባእ ሠሪሖም እዮም፡ ኢልና ርግጸኛታት ኴንና ንዛረበሎም ኣሎና።


 ኣውጎስጢኖስ ንጐይታ ከምዚ ክብል ተዛሪብዎ ነይሩ፡ “ካብ ዘመናተይ ኣዝየ ደንጉየ እየ ፈሊጠካ። ንሱ ካብ ብዙኃት ሚሊዮናት ዝዓበየን ዝበለጸን ልዑል እዩ፣ ቅድሚኡ ዝነበረ  ኸ መን እዩ! ኣነ ግና ኣብ ጊዜ ሽምግልናይ እየ ኣፍቂረካ።” ኢሉ ዋላ እኳ እንተ ተዛረበ ብዙኅ ሥራሕ ሠሪሑ ኃሊፉ እዩ።  

No comments:

Post a Comment