bieteelyas.blogspot.com ቤተ ኤልያስ

Thursday 7 September 2017

“ኣንቲ ጓለይ እዚኣስ ዘማሪት ድያ ወይስ ኣዝማሪት?” 13 ክፋል

 ትምህረተ ሊቃውንትን ብዛዕባ ትውፊት

 
እወ ቤተ ክርስቲያን ካብ ነቢያት ናብ ሓዋርያት፡ ካብኡ ናብ ሓዋርያነ አበው፡ ብድኅሪኡኦም ድማ ሰማዕታት ብደሞም ሊቃውንት ኸኣ ብትምህርቶም ኣንጻር ዓላውያን ነገሥታትን መናፍቓንን ብምውጋእ እዮም ኣጽኒሖምልና። ስለዚ ካብዚ ብምቕጻል ሊቃውንተ ቤተ ክርስቲያን ብዛዕባ ትውፊት ካብ ዝጸሓፉልና ትምህርቲ ንመልከት፦ 

ቅዱስ ባስልዮስ ዓቢይ  “ዘይተጻሕፉ ትውፊታት ምቕባል ንሓዋርያት ተኣማንነት ምዃኑ እኣምን እየ” ይብል።  ደጊሙ ኸኣ “ካብቶም ቅድሜና ዝነበሩ ካህናት ስርዓትን ሕግና ዝተቐበልና ስለ ዝኾንና፡ ምስ ናታቶም ሓደ ብዝኾኑ ቃላት ምስጋና ነቕርብ” እናበለ ምስጋናና ካብቶም ቀዳሞት ብትውፊት ዝወረስናዮ ስለ ዝኾነ ሓደ እዩ። ቅዱስ ባስልዮስ ነዚ ቓል እዚ ዝተዛረቦ፡ ኣብ ራብዓይ ክፈለ ዘመን እዩ። ኣብዚ ሕጂ ዘላ ቤተ ክርስቲያንውን ናታቶም ምስጋና ተመስግን ምህላዋ፡ ንጥንታውነታን ርትዓውነታን ዘነጽር እዩ። ምኽንያቱ ሕጂውን እንተኾነ፡ ነብጽሖ ዘለና ውዳሴ ማርያም ኣብ ራብዓይ ክፍለ ዘመን በዓል ቅዱስ ኤፍሬም ዘብጽሕዎ ዝነበሩ ጸሎት እዩ። ቅዳሴ ማርያምውን በዓል ኣባ ሕርያቆስ ዝቕድሶ ዝነበረ ቕዳሴ እዩ። ስለዚ ንሕናውን ምስ ቅዱስ ባስልዮስ ኴንና “ምስጋናኦም ምስጋናና፡ ጸሎቶም ጸሎትና፡ ቅዳሴኦም ቅዳሴና፡ ሥርዓቶም ሥርዓትና ትምህርቶም ትምህርትና፡ መዝሙሮም ድማ መዝሙርና እዩ” ንብል። 

ቅዱስ ዮሓንስ አፈወርቅ ኸኣ “ሓዋርያት ብቓል ብምዝራብ እንተላይ ደኣ እምበር ብጽሑፍ ጥራይ ከም ዘይመሃሩ ከረድእ ከሎ፡ ናይ ቅዱስ ጳውሎስ ቃል ብምጥቃስ ከምዚ ይብል፦  “ብቓልና ይኹን ወይ ብመልእኽትና ዚተመሃርኩሞ ትውፊት ሓዙ’ ብምባል ቅዱስ ጳውሎስ ዝተዛረቦ ቃል የረጋግጸልና። ክልቲኦም ማለት ዚተጻሕፉን ዘይተጻሕፉን ንትምህርቲ ሃይማኖትን ንድኅነትን ኣድለይቲ እዮም። ስለዚ ናይ ቤተ ክርስቲያን ትውፊት ምትእምማን ዚግባእ ምዃኑ ሓቂ እዩ” ይብል። 

ኣውሳብዮስ ዘቂሣርያውን “ኣብ ቤተ ክርስቲያን ተዓቂቦም ዘለዉ ትምህርተ ሃይማኖታት ስብከታት ገሊኦም ብጽሑፍ ገሊኦም ግና ብትውፊት ናይ ሓዋርያት ዚተዋህቡ እዮም። ክልቲኦም ተመሳሳሊ ሥልጣን ኣለዎም። ብዛዕባ ምምሥራት ቤተ ክርስቲያን ዋላውን ውሑድ ፍልጠት ዘለዎ ሰብ ነዚ ኺቃወም ኣይክእልን እዩ። ዘይተጻሕፉ ልማዳት ኵላቶም ኣየድልዩን እዮም ኢልና ምስ ንድርብዮም፡ ብጣዕሚ ኣገደስቲ ዝኾኑ ናይ ወንጌል ክፋላት ክንስእኖም ኢና። ትምህርትና ድማ ባዶ ኪኸውን እዩ” ይብል። ቀጺሉ ድማ “ብኢሱስ ክርስቶስ ዝኣምኑ ኵላቶም ብትእምርተ መስቀል ከማዕትቡ ኸም ዘለዎም ኣበይ ተጻሒፉ? ኪንጽልይ ከለና ገጽና ናብ ምብራቕ ኪንገብር ከም ዘለና ኣበይ ተጻሒፉ? ነቲ ወይኒን ኅብስተ ቊርባንን ንኽልውጠልና ንመንፈስ ቅዱስ ምሕታት (ብዛዕባ ቅዳሴ) ኣበይ ተጻሒፉ? በዚ መሠረት ብምስማዕ ዚተመሃርናዮ ውን ብዙሕ ስለ ዘሎ ወንጌል ወይ ናይ ሓዋርያት መጽሓፍ ብዝጠቐስዎ ጥራሕ ኣይንውሰንን ኢና። ንኣገልግሎት ጥምቀት ነቲ ማይ ንባርኾ። ነቲ ዝጥመቕ ንምቕባእ ነቲ ዘይቲ ንባርኾ፡ እዚ ዅሉ እዚ ኣበይ ተጻሒፉ? ነዚ ዅሉ እዚ ዚተመሃርናዮስ ብምሥጢራዊ ትውፊትዶ ኣይኮነን? ብሜሮን ኪንቅባእ ከም ዘለና ኣበይ ተጻሒፉ? እቲ ዚጥመቕ 3 ጊዜ ኣጥሕል ኣውፅእ ምባል ኣበይ ተጻሒፉ? ካልኦት ምስ ጥምቀት ምትኅኃዝ ዘለዎም ነገራት ከም ንሰይጣንን መላእኽቱን  ምኽሓድ..” ይብል።

ናይ ቤተ ክርስቲያንን ትውፊት ክሳዕ 5ይ ክ/ዘ

ክሳዕ 451 ዓ/ም ናይ ቤተ ክርስቲያን ትውፊት ሓደ ነይሩ። ብድኅሪኡ ግና ካብ ግሪኽ ናብ ምዕራብ ዘለዉ ምዕራባውያን፡ ካብኡ ንምብራቕ ዘለዉ ድማ ምብራቓውያን ተባሂሎም ትውፊቶም ከይተረፈ ተፈላልዩ። ገለ ካብ ፍልልዮም ንምጥቃስ “ምዕራባውያን ዝተጸርበ ሓወልቲ ኪጥቀሙ ኸለዉ፡ ምብራቓውያን ግና ሥዕሊ ይጥቀሙ”

ትውፊት ንሥርዓተ ቤተ ክርስቲያን ዝገበሮ ኣስተዋጽኦ

1. መጽሓፍ ቅዱስ ብትውፊት ኢና ረኺብናዮ
2. ብትውፊት ናይ ቤተ ክርስቲያን ንዋየ ቅድሳትን፡ ሥርዓተ ቤተ ክርስቲያንን ናባና በጺሑ እዩ።
3. ብትውፊት ቅኑዕ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ትርጕም ናባና በጺሑ
ንመጽሓፍ ቅዱስ ይኹን ንጉባኤያት ቤተ ክርስቲያን ጥንቶም ትውፊት እዩ። ማቴ 2፡23  ዕብ 12፡21 2ይ ጢሞ 3፡8




Friday 1 September 2017

እዚኣስ ዘማሪት ድያ ወይስ ኣዝማሪት መበል 12 ኽፋል



2.2 .ጉባኤያት ቤተ ክርስቲያን

መናፍቓን ንምምካርን ሥርዓት ንምሥራዕን ዝተገብሩ ዓለምለኻውያን ጉባኤያት ሠለስተ ኪኾኑ ኸለዉ፡ ቅድሚኦም ይኹን ድኅሪኦም ኣኅዋት ኣብያተ ክርስቲያናት ዝገበርኦ ጉባኤያትን ዝደንገግኦ ሥርዓትን ውን ንቕበል ኢና። እቶም 3 ዓበይቲ ናይ ቤተ ክርስቲያን ጉባኤታት እዞም ዚስዕቡ እዮም።

2.2.1 ጉባኤ ኒቅያ

ቀዳማይ ዓለምለኻዊ ዝዓበየ ጉባኤ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ኒቅያ ነበረ።
ምኽንያት ጕባኤ ዝነበረ ከሓዲ ኣርዮስ 
ክሕደቱ ወልድ ብመለኰቱ ፍጡር 
ኣቦ መንበር ናይቲ ጉባኤ እለስክንድሮስ ሊቀ ዲያቆን ቅዱስ ኣትናቴዎስ ብምዃን፡ ኢየሱስ ክርስቶስ ናይ ባህርይ ኣምላኽን ጐይታናን መድኃኒናን ምዃኑ ብመሠረት መጽሓፍ ቅዱስ ኣረድእዎ።
ናይ ተኣከብቲ ብዝሒ 318
ዘመኑ ብ325 ዓ.ም ብዘመን ንጉሥ ቆስጠንጢኖስ
ውሳኔ ናይ ጉባኤ ናይ ክርስቶስ ኣምላኽነት ብቅዱሳት መጻሕፍቲ ምርግጋጽ፡ ንኣርዮስ ኣወጊዝካ ምፍላይ (ዮሐ 1፡1-14 ዮሐ 10፡30 ዮሐ 14፡10 1ይ ዮሐ 5፡20 ራእ ዮሐ 1፡8  ራእ 1፡18 ሮሜ 9፡5 ቆሎ 1፡15-16)

ጸሎተ ሃይማኖት ድማ “ወኣልቦ መኀልቅት ለመንግሥቱ ክሳዕ ዝብል” ሠርዑዎ።
ኣብ ርእሲ እዚ ድማ ዕሥራ አንቀጻት ዘለዎ ሥርዓት ኣቖሙ።

ገለ ኻብኣቶም ንምርኣይ፦


ፈሪሃ እግዚአብሔር ዘይብሎም ናይ ቤተ ክርስቲያን ቀኖና ኸይፈለጡ ቤተ ክርስቲያኖም ገዲፎም ናብ ካልእ ቤተ ክርስቲያን ዝኸዱ ካህናትን ካልኦት ናይ ቤተ ክርስቲያን ኣገልገልቲ ብኻልኦት ክልል ኣብያተ ክርስቲያናት ተቐባልነት ኪህለዎም ኣይግባእን። ናብ ዝነበርዎ ቤተ ክርስቲያን ኪምለሱ ይግብኦም። እምቢ ብምባል እንተኸይዶም ግና ከም ዘይፍቀደሎም ኪግበር ኣለዎ። ንሓንቲ ቤተ ክርስቲያን ገዲፉ ናብ ካልእ ቤተ ክርስቲያን ዝኸደ ሰብ፡ ካብታ ዝመጸላ ቤተ ክርስቲያን ፍቓድ ከይረኸበ ሓደ ኤጲ ስቆጶስ ብድፍረት ክህነት ሂቡ እንተተቐቢልዎ፡ ሽመቱ ዋጋ ዘይብሉ ይኸውን።

ናይ ጳውሎስ ሳምሳጢ ተኸተልቲ ዝነበሩ ናብ’ዛ ዓለምለኻዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ዝምለስሉ ጊዜ ናይ ግድን ብስም ቅድስት ሥላሴ ኪጥመቑ ይግባእ።

ሓደ ሓደ ሰባት ብዕለተ ሰንበትን ብበዓለ ሓምሳን ተንበርኪኾም ይጽልዩ እዮም። በዞም መዓልታት እዚኣቶም ግና ኵሎም ሰባት ደው ኢሎም ኪጽልዩ፡ ንዅሉ ኣብ ዘለዎ ሕጊ ንኽኸውን ቅዱስ ሲኖዶስ ወሲኑ ኣሎ።

ጳውሎስ ሳምሳጢ ኣብ 3ይ ክፍለ ዘመን ኣብ ንእሽተይ ኤስያ ኣብ ውሽጢ ሶርያ ሳምሳታ ኣብ ትበሃል ዓዲ ካብ ሃብታማት ቤተ ሰብ ዝተወልደ መናፍቐ ጳጳስ እዩ ኔሩ። ሳምሳጢ ተባሂሉ ዝተጸውዐ ብዝተወልደላ ዓዱ ብሳምሳታ እዩ። ኣብ ናይ ኣንጾኪያ ቤት ትምህርቲ ተማሂሩ እዩ፡ እንተኾነ ግና ናይታ ቅንዕቲ ናይ ኣንጾኪያ ቤት ትምህርትን ናይ ሊቃውንታ መገድን ኣይተኸተለን።

 ጳውሎስ ሳምሳጢ ቅድሚ ናይ ኑፋቔ ትምህርቱ ምግላጹ ብ260 ዓ/ም ናይ ኣንጾኪያ ጳጳስ ኮይኑ ተሸይሙ ነበረ። ነቲ ኣቐዲሙ ኃቢእዎ ዝነበረ ብዛዕባ ቅድስት ሥላሴን ብዛዕባ ምሥጢረ ሥጋዌን ክሕደቱ ድማ ኣብ ናይ ጵጵስና ዘመኑ ኣውጺኡ ኪምህር ጀመረ። 

2.2.2 ጉባኤ ቁስጥንጥንያ

ካልኣይ ዓለምለኻዊ ጉባኤ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ቊስጥንጥንያ ነበረ።
ምኽንያት ጉባኤ ዚነበሩ መናፍቓን

1ይ መንፈስ ቅዱስ ህጹጽ እዩ ዚበለ መቅደንዮስ

2ይ ወልድ ብመለኰቱ ፈጣሪ እዩ ካብ ቅድስት ድንግል ነፍስን ፍልጠትን ዘይብሉ ሥጋ ለበሰ ዚበለ ኣቡሊናርዮስ

ዘመኑ ብ381 ዓ.ም ኣብ ዘመን ንጉሥ ቀዳማዊ ቴዎዶስዮስ
ብዝሒ ሊቃውንት 150 ዚረትዕዎ ኣቦታት ቅዱስ ጐርጎርዮስ ዘእንዚናንዙ ቅዱስ ጎርጎርዮስ ዘኑሲስ ቅዱስ ጢሞቴዎስ

ውሳኔ፦ መንፈስ ቅዱስ ናይ ባህርይ ኣምላኽ፡ ምስ ኣቦን ምስ ወድን ሕንቲ ስግደት ትግብኦ ከም ኣቦን ወድን ፍጹም ገጽ ፈጹም ኣካል ፍጹም መልክዕ ዘለዎ ፈጣሪ ምዃኑን፡ ክርስቶስ ካብ ድንግል ማርያም ክውለድ ከሎ ድማ፡ ካብ ሥጋኣ ሥጋ ካብ ነፍሳ ድማ ነፍሲ ወሲዱ ሰብ ከም ዝኾነን፡ ብመሠረት መጽሓፍ ቅዱስ ኣረዲኦም ነዞም ክልተ መናፍቓን ኣውጊዝካ ምፍላይ /ዮሓ 1፡14 ማር 14፡34/። 
ጸሎተ ሃይማኖት ድማ “ወንኣምን በመንፈስ ቅዱስ እግዚእ ማሕየዊ፡ ዘሠረጸ እምአብ ንስግድ ለቱ ወንሴብሖ ምስለ አብ ወወልድ ዘነበበ በነቢያት” ካብ ዝብል ጀሚሮም ክሳዕ ፍጻሜ ኣብጽሕዎ። ካልእ ተወሳኺ ሥርዓታት ውን ሠርዑ። ንኣብነት፦



ኣብ ኒቅያ ዝተኣከቡ 318 ኣቦታት ዝወሰንዎ ውሳኔ ማንም ዝቃወሞ ሰብ ኪህሉ የብሉን።

“ኵሎም ጳጳሳት ካብ ምምሕዳሮም ወፃኢ ኣብ ዝኾኑ ሃገረ ስብከታት ኣብ ማንም ጉዳይ ኪኣትዉ ኣይግባእን። ማንም ኤጲስቆጶስ ተጋቢዙ እንተዘይኮይኑ ኣብ ካልእ ሃገረ ስብከት ከይዱ ኪሸይም ወይ ካልእ ናይ ምሕደራ ሥራሕ ኪሠርሕ መሰል የብሉን” 

ካብ ክሕደቶም ተመሊሶም ናብ ኦርቶዶክሳዊት እምነትን ናብ ኅብረት እቶም ዝደኃኑ ወገናት ዝመጹ ብመሠረት ቀኖና ቤተ ክርስቲያን ንቕበል ኢና። ንቕበሎም ግና ናይ ቤተ ክርስቲያን ቅኑዕ ናይ እምነት ቀኖና ምቕባሎም ምስ ኣረጋገጹን ካብ እምነት ቤተ ክርስቲያን ወፃኢ ዝኾኑ ኑፋቔታት ምስ ኣወገዙን እዩ።

2.2.3 ናይ ኤፌሶን ጉባኤ

ሣልሳይ ዓለምለኻዊ ናይ ቤተ ክርስቲያን ጉባኤ ኤፌሶን እዩ
ምኽንያት ጉባኤ “ድንግል ማርያም ወላዲት ሰብ እምበር ወላዲት ኣምላኽ ኣይትበሃልን፡ ኣብ ክርስቶስ ከኣ ክልተ ኣካልን ክልተ ባህርን ኣሎ” ዝበለ ኸሓዲ ንስጥሮስ
ናይቲ ጉባኤ ኣቦ መንበር ቅዱስ ቄርሎስ
ዘመኑ ብ431 ዓም ዘመነ ንጉሥ ቴዎደስዮስ ዳግማዊ
ብዝኂ ሊቃውንት 200

ውሳኔ ድንግል ማርያም “በአማን ወላዲት ኣምኽ” ማለት “ድንግል ማርያም ብሓቂ ወላዲት ኣምላኽ እያ ብምባል ንንስጥሮስ ኣወገዝዎ /። (ሮሜ 1፡3 ገላ 4፡4 ዕብ 2፡14”

ኣብዚ ድማ 8 ቀኖናታት ሠሪዖመልና ኣለዉ

ናይ ሓደ ሓደ ሃገረ ስብከታት ኤጲስ ቆጶሳት ድኅሪ ናይ ቅዱስ ሲኖዶስ ኣኼባ ደንጉዮም ናብ እምቢተኛነት እንተ ዘንቢሎም፡ ወይ ንስጥሮስ ተወጊዙ ድኅሪ ምፍላዩ፡ ምስ መናፍቓን ሓደ ግምባር ንምፍጣር ምስ ዝሰማምዑ፡ ከምዚኣቶም ዝበሉ ሰባት ካብ ክህነቶም ካብ ማዕርጎም ኪሰዓሩ ኣለዎም ኢሉ ጉባኤ ወሲኑ ኣሎ።

3. ትውፊት

ትውፊት፥ ኣወፈየ ኣቀበለ ኣወረሰ ካብ ዝብል ናይ ግእዝ ግሲ ዝወፀ ኾይኑ ትርጕሙ ውርሲ ቅብብል ማለት እዩ። ብቛንቋ ግሪኽ ድማ “ባዶራሲስ” ይበሃል። ትርጕሙ ድማ ብቓልን ብጽሑፍን  ዝመኃላለፍ ማለት እዩ።

ናይ ተክአ ተስፋይ መዝገበ ቓላት “ትውፊት ወፈያ፡ ህያብ፡ ልማድ፡ ባህሊ፡ ወግዒ ካብ ኣቦታት ንወለዶታት ብቓል ብያታ ኣቢሉ እተወርሰ፡ ዋርሳ ናይ ቤተ ሰብ ባህሊ፡ ሃዋርያት ንተካእቶም ዘውረስዎም እምነት ወዘተ” እናበለ ይትርጕሞ /ገጽ 464/

 ናይ አለቃ ኪዳነ ወልድ ክፍሌ መጽሐፈ ሰዋስው ወግስ መዝገበ ቃላት ድማ “ህያብ ልማድ ትምህርቲ ወግዒ ታሪኽ ሃይማኖት ሥርዓት ካብ ጥንቲ ቃል ብቓል እናተነገረ ዚመጸ” ብምባል ይትርጕሞ (አለቃ ኪዳነ ወልድ ክፍሌ ….ገጽ 397)

 ጽርኣውያን (ግሪኻውያን) ድማ “ፓራዶሲስ” ይብልዎ፡ ሓደ ነገር ካብ ኢድ ናብ ኢድ ናብ ካልእ ሰብ ምርካብ ወይ ምቕባል ማለት እዩ። ዕብራውያን (እስራኤላውያን) ድማ “ማሳር” ምቕባል (ከተቐብል ከለኻ) ወይ ድማ “ቂብል” ምቕባል (ኪትቅበል ከለኻ) ዝብሉ ቃላት ይጥቀሙ። 

 ኣብ ጊዜ ቅዳሴና ውን “ነዋ ወንጌለ መንግሥት-ብዛዕባ መንግሥተ ሰማያት ትሰብኽ ወንጌል ወይ ድማ ናብ መንግሥተ ሰማያት ተእቱ ወንጌል እዚኣ እያ” ኢሉ ነቲ ንፍቀ ካህን ዝህበሉ ምሥጢር፡ ንፍቀ ካህን ድማ “መንግሥቶ ወጽድቆ ዘአወፈየኒ አወፈይኩከ” “ጐይተትነቱን ምሕረቱን ትነግር ዝሃበኒ ወንጌል ሃብኩኻ” ኢሉ ንዲያቆን ምሃቡ ሓዋርያት ካብቲ ሊቀ ካህናትና ዝኾነ ክርስቶስ ወንጌል ተቐቢሎም ናይ ምምሃሮም ኣምሳል ስለ ዝኾነ፡ ትውፊት ቅብብል ውርርስ ምዃኑ ብግልጺ የረድኣና። 

ብዛዕባ ሥርዓተ ቤተ ክርስቲያን ንምምሃር ትውፊት ኣገዳሲ እዩ። ብዘይ ትውፊት ብዛዕባ ሥርዓተ ቤተ ክርስቲያንስ ይትረፍ፡ ብዛዕባ እቲ ብትውፊት ዘይኣምኑ ግና ከኣ “ክርስቲያን” ኢና ዝብሉ ሰባት ዝኣምንዎ “ወንጌል” ውን ኪንዛረብ ኣይከኣልን እዩ። ምኽንያቱ ወንጌል ንባዕሉ ከም ዘለዎ ብመጽሓፍ ተጠርኒፉ ካብ ሰማይ ናብ ኢድና ዝተዓደለ ዘይኮነስ፡ ካብቶም ቅድሜና ዝነበሩ ቅዱሳን ብትውፊት ዝረኸብናዮ እዩ።

3.1 ትውፊትን(Tradition) ኣፈ ታሪኽን (Legend)

ትውፊትን ኣፈ ታሪኽን ኣዝዮም ዝተፈላለዩ እዮም። ኣፈ ታሪኽ፥ “ብሓደ ኣጋጣሚ ንዝተፈጸመ ነገር ሕዝቢ ወሲኹ ድዩ ወይስ ኣጕዲሉ ዝትርኾ እዩ:: ኣፈ ታሪኽ፥ ኣብ ጽሑፍ ዘይሰፈረ ብቓል ጥራይ ዝንገር እዩ።
ንኣብነት፥ ሰማይ ካብ ምድሪ ዝረሓቐ በቕሊ ስለ ዝረገጸቶ እዩ። በቕሊ መኻን ዝኾነት ድማ ተረጊማ እያ። ኣብ ጎሮሮ ደቂ ተባዕትዮ ዘሎ፡ ኣዳም ነታ ዕፀ በለስ ከይወሓጣ ኣብ ጎሮሮኡ ስለ ዝተረፈት እዩ።

3.2 ትውፊትን ቤተ ክርስቲያንን

ናይ ቤተ ክርስቲያን ትውፊት ዝድህሰሱን ዘይድህሰሱን ብምባል ኣብ ክልተ ኸፊልና ኽንርእዮም ንኽእል ኢና። 

3.2.1 ዝድህሰሱ፥ መጻሕፍቲ፡ ንዋየ ቅድሳት፡ ኣልባሳት፡ ኣብያተ ክርስቲያናት፡ ገዳማት፡ ወዘተ
3.2.2 ዘይድህሰሱ፥ (ዝርኣዩን ዝስምዑን) ትውልዲ ካብ ኣቦታትን ኣዴታትን ሰሚዑን ርእዩን ዝጥቀመሎም ነገራት። “ባህሊ፡ ኣዘራርባ፡ ምምዕታብ፡ ነጸላ ኣመሳቒልካ ምኽዳን፡ ሥርዓተ ጸሎት ካልኦት ልምድታትን ካብ ኣቦታት እናረኣየን እናሰምዐን ዝቕበሎም እዮም።

3.3 ትውፊት ኣብ ብሉይ ኪዳን

  3.1 ኣቀራርባ መሥዋዕቲ፤ እቲ ናይ መጀመርታ ሰብ ኣቦና ኣዳም ካብ እግዚአብሔር ኣጸላልያን ኣቀራርባ መሥዋዕትን ተማህረ። ደቁ ኣቤልን ቃኤልን ድማ ካብ ኣቦኦም ኣዳም ዝረኣይዎ ብትውፊት ተቐቢሎም ተጠቕምሉ። (ዘፍ 4.4 ዕብ 11.4)

ገድለ ኣዳም ብዛዕባ ኣቤልን ቃኤልን ኣቀራርባ መሥዋዕቲ ካብ ኣቦኦም ተማሂሮም ከም ዝተቐበልዎ ኪገልጽ ከሎ ከምዚ ይብል፦ “ኣዳም ንኣቤል ካብ ኣባጊዕኻ ጽቡቕ ጠቦት ውሰድ ንኣምላኽካ ድማ መሥዋዕቲ ኣቕርብ፡ ንኃውኻ ካብ ፍረ ስርናይ፡ ንኣምላኹ ከቕርብ ክነግሮ እየ።….ክልቲኦም ቊርባን ኂዞም ናብቲ መሠውዒ ዘለዎ ጎቦ ወፁ። ቃኤል ግና ንኃዉ ኣቤል ተዓበየሉ፡ ካብቲ መሠውዒ ድማ ደፍኦ ቊርባን ንኸዐርግ ኣይተዓገሦን ቊርባኑ ትዕቢት ብዝተመልአ ልቦና ኣቕረቦ። ኣቤል ግና ኣብ ጎኒ እቲ መሠውዒ ኣእማን ገበረ። ኣብኡ ድማ ትሕትና ብዝተመልአ ልቦና መሥዋዕቱ ኣቕረበ። ቃኤል ኣቡኡ መሥዋዕቲ ከቕርብ ከሎ ብዙኅ ጊዜ ይተርፍ ነበረ….ኣቤል ግና ናይ ኣቡኡ ቓል ተቐበለ፡ ካብ ዘርኡ ወሰደ ቊርባን ድማ ኣቕረበ፡  ንኣቡኡ ኣዳም ድማ ንኺድ ከመይ ገይረ ቚርባን ከም ዘቕርብ ምሃረኒ በሎ….ቃኤል ግና ቊርባን ዝፈቱ ኣይነበረን፡ ብናይ ኣቡኡ ብዙኅ ቆዮቛ ሓደ ጊዜ ጥራይ የዕርግ ነበረ። ንመሥዋዕቲ ንኽኸውን ድማ ካብ ኣባጊዑ ነቲ ዝነኣሰ ይወስድ ነበረ። ልቡ ብኽፍኣት ዝተመልአ ስለ ዝነበረ እግዚአብሔር መሥዋዕቱ ኣይተቐበለሉን”።

3.3.2 ግዝረት ድኅሪ ኣብርሃም ብትውፊት 

 ግዝረት ንመጀመርታ ጊዜ ዝተዋህቦ ንኣቦና ኣብርሃም እዩ። እግዚአብሔር መጀመርታ ንኣብርሃም ኪግዘር ኣብ ቤቱ ንዘሎ ተባዕታይ ዘበለ ድማ ኪገዝር ከም ዘለዎ ኣዘዞ። ኣቦና ኣብርሃም ድማ ኣብ መበል 99 ዕድሜኡ ተገዝረ። ብድኅሪኡ ዝመጽኡ ዅሎም ዘርኡ ድማ ይግዘሩ ነበሩ። እንተኾነ ግና ብመጽሓፍ ስለ ዝጸንሖም ዘይኮነስ ብትውፊት ካብ ወለዶም እናተማህሩ እዮም ዝግዘሩ ዝነበሩ።(ዘፍ 17፡1-ፍጻሜ)

ብዛዕባ ኣቦና ኖህውን “ኖህ ድማ ንእግዚአብሔር መሠውዒ ሠርሐ ካብ ንጹሕ እንስሳ ዘበለን ካብ ኩለን ንጹሓት ኣዕዋፍን ወሲዱ ከኣ ዚሓርር መሥዋዕቲ ኣብ መሠውዒ ኣዕረገ” (ዘፍ 8:20) ይብል። ኣብዚ ከነስተውዕሎ ዘለና፡ ብዛዕባ ንጹሓትን ዘይንጹሓትን እንስሳታት ዝብል ኣብ ሕጊ ዝተጻሕፈ ብድኅሪ ኣቦና ኖህ ኣብ ዘመነ ሙሴ እዩ። ኖህ ግና ብቐጥታ ካብ እግዚአብሔር ብዝረኸቦ ትምህርቲ ነዚ መሥዋዕቲ እዚ ኣቕረበ። 

3.4 ትውፊት ኣብ ሓድሽ ኪዳን

3.4.1 ትውፊት ኣብ ዘመነ ሓዋርያት

 ትውፊት ኣብ ሓድሽ ኪዳንውን ኣዝዩ ዓቢይ ኣስተዋጽኦ ገይሩ እዩ። ሓዋርያት ድማ ብዛዕባ ትውፊት ደጋጊሞም ምሂሮም እዮም። ንኣብነት ቅዱስ ዮሓንስ “ኢየሱስ ዝገበሮ ግብሪ ድማ ብዙኅ ካልእ ኣሎ። ኵሉ በብሓደ ተጽሓፉ እንተ ዝኸውንሲ፡ ነቲ እተጻሕፈ መጻሕፍቲ ዅላ እዛ ዓለም እኳ ኣይምኣኸለቶን ይመስለኒ”(ዮሐ 21፡25) ብምባል ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ዝገበሮ ተኣምራትን ዝመሃሮ ትምህርትን ብእዝኖም ዝሰምዕዎ ቃሉን ብዓይኖም ዝረኣይዎ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘይተጻሕፈ ተኣምራትን ከም ዘሎ ምሂሩና እዩ። ነዚ ድማ ብትውፊት ናባና ኣብጺሖምልና እዮም።

 ጐይታና ጥራይ ዘይኮነ ናይ ሓዋርያት ትምህርትን ተኣምራትንውን ኵሉ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዘይተጻሕፈ ፍሉጥ ነገር እዩ። ንኣብነት እቶም ዝመሃርዎ ትምህርትን ዝገበርዎ ተኣምራትን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘይተጻሕፈ ሓዋርያት፡ ትምህርቶምን ተኣምራቶምን ዝረኣዩ ሰባት ናባና የኅሊፎምዎ እዮም። ቅዱስ ዮሓንስ ነዚ ኣመልኪቱውን ከምዚ ይብለና “ናባኻትኩም ዝጽሕፎ ብዙኅ ነገር ነይሩኒ ኽነሱ፡ ብወረቐትን ብቐለምን ክጽሕፎ ኣይፈቶኹን። ግናኸ ሓጐሰይ ምእንቲ ኺምላእሲ፡ ናባኻትኩም ክመጽእ እሞ ኣፍ ንኣፍ ክዛረበኩም፡ ተስፋ እገብር አሎኹ”  (2ይ ዮሐ 1፡ 12)። እዚ ቅዱስ ዮሓንስ ብመጽሓፍ ኪጽሕፎ ዘይፈተወን ብቓሉ ዝመሃሮምን ትምህርቲ ኣበይ ኣሎ? ብርግጽ እቶም ዝተመሃርዎ ሰባት ብትውፊት ኣኅሊፎምዎ እዮም። 

 ቅዱስ ጳውሎስውን “ደጊም፡ ኣቱም ኣኅዋትና፡ ጸኒዕኩም ቁሙ እሞ ነቲ ብቓልና ወይስ ብደብዳቤታትና እተመሃርኩምዎ ትምህርትታት ሓዝዎ”( 2ይ ተሰ 2፡15) ብምባል ናይ ጽሑፍን ናይ ቃሉን ትምህርቲ ኪኅዝዎ ኣዚዙ ኣሎ። 

 ብምቕጻልውን “ኣነ ኻብ ጐይታ እተቐበልክዎ እየ እሞ፡ ንኣኻትኩምውን ዝነገርክዎ፡ ጐይታና ኢየሱስ በታ እተታኅዘላ ለይቲ እንጌራ ኣልዓለ፡ ኣመስጊኑ ቘረሰ እሞ፡ ውሰዱ፡ ብልዑ፡ እዚ ምእንታኹም እተዋህበ ሥጋይ እዩ፡ እዚ ንመዘከርታይ ግበርዎ፡ በለ” (1ይ ቆሮ 11፡23-24) ንሱ ካብ ጐይታ ተቐቢሉ ንሕና ድማ ካብኡ ተቐቢልና ኪንነብረሉን ናብ ዝመጹ ከነኅልፎን ከም ዘለና ብምርዳእ ናይ ትውፊት ጠቓምነት ኣጉሊሕዎ እዩ።

3.4.2 ሓዋርያት ብትውፊት ዝተቐበልዎ

 ኣቦታትና ሓዋርያት ካብቶም ቅድሜኦም ዝነበሩ ነቢያትን ኣቦታቶምን ዝሰምዕዎን ዝርእይዎን ዝነበሩ ኣብዚ ኂዝናዮ ዘለና መጽሓፍ ቅዱስ ዘይርከብ ትምህርታት ብትውፊት ዝኃዝዎ ትምህርታት ኣብ ወንጌል ጽሒፎምልና ኣለዉ። ንኣብነት፥ ወንጌላዊ ቅዱስ ማቴዎስ “እቲ ብነቢያት፡ ናዝራዊ ኺበሀል፡ እተበሀለ ምእንቲ ኺፍጸም፡ ናዝሬት ናብ እትበሀል ዓዲ መጺኡ ተቐመጠ” (ማቴ 2፡23) ብምባል ዝጸሓፎ ኣብ ናይ ነቢያት ትንቢት ኣይንረኽቦን ኢና። ማቴዎስ ግና ብትውፊት ዝተቐበሎ ትምህርቲ ናባና የኅሊፍልና እዩ።

 ቅዱስ ጳውሎስ ድማ ስማት ናይቶም ንሙሴ ዝተቓወምዎ ጠንቆልቲ ጽሒፍልና ኣሎ። ሙሴ ኣብ መጽሓፉ ስማቶም ኣይጠቐሰን ቅዱስ ጳውሎስ ግና ብትውፊት ብዝኃዞ ትምህርቲ “ከምቲ እያኔስን እያምብሬስን ንሙሴ እተቓወምዎ” እናበለ ስማቶም ኪነግረና ክኢሉ  (2ይ ጢሞ 3፡8)

 ሓዋርያ ይሁዳ ድማ “ሚካኤል፡ እቲ ሊቀ መላእኽቲ፡ ግና ብዛዕባ ሥጋ ሙሴ ምስ ድያብሎስ እናተኻራኸረ ምስ ተማጐተ፡ እግዚአብሔር ይግናሕካ፡ ደኣ በሎ እምበር፡ ፍርዲ ጸርፊ ኺዛረብ ኣይደፈረን” ብምባል ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘይተጻሕፈ፡ ግና ከኣ ንሱ ብትውፊት ዝተቐበሎ ታሪኽ ናይ ሙሴ ይነግረና።(ይሁ 1፡9)

 ብምቕጻል ድማ “ሄኖክ፡ እቲ ሳብዓይ ካብ ኣዳም፡ ነዚኣቶም፡ እንሆ፡ ጐይታ ንዅላቶም ኪፈርዶም ኢሉ ምስ ኣእላፋት ቅዱሳቱ መጺኡ አሎ፡ ነቶም ፍርሃት እግዚአብሔር ዘይብሎም ኵላቶም ድማ ብዛዕባ እቲ ዝገበርዎ ዅሉ እኩይ ግብርን ብዛዕባ እቲ ኃጥኣንን ገፋዕትን ብዛዕብኡ እተዛረብዎ ዘበለ ዅሉ ዘረባ ድርቅናን ኪቐጽዖም እዩ፡ ኢሉ ተነበየሎም” ብምባል ብዛዕባ እቲ መናፍቓን ዘይቅበልዎ መጽሓፈ ሄኖክ መስኪሩ እዩ። (ይሁ 1፡14)

 ሓዋርያትውን ንወንጌል ወንጌል ኢሎም ዝጸውዕዎ፡ ካብ ጐይታ ስለ ዝሰምዕዎ ደኣ እምበር ብጽሑፍ ረኺቦምዎ ኣይኮኑን።(ማር 16፡8-15)

 ነዚ ጽሑፍ እዚ ምስ ኣንበብኩ፡ ናይ ንባብ ፍቕሪ እናኃደረኒ መጸ። ምሥጢር ኣብ ልዕሊ ምሥጢር፡ ታሪኽ ኣብ ልዕሊ ታሪኽ እናተደራረቡ ከተንብብ ከለኻ፡ ነፍስኻ ብፍልጠት ትዕንብብ እሞ ኣብ መንፈሳዊ ሕይወትካ እናተረድኣካ ኃይሊ ትውስኽ። ነዚ ናይ ኣቦታት ትምህርቲ ምሰ ሰማዕኻ፡ ነዚ ናይ ሕጂ ዘሎ ናይ ምፍልላይ ሕማም ጠንቁ “ፍልጠት ምስኣን” ምዃኑ ይንጽረልካ። እዞም ተነጺሎም ዝፍለዩ ዘለዉ ኵሎም ኣቦታትናን ኣኅዋትናን ነዚ ትምህርቲ እዚ ዝፈልጥዎ ኣይመስለንን። እናፈለጡ እንተ ኾይኖም ድማ ዝገደደ ኻልእ ናይ ዕንወት ዕላማ ከም ዘለዎም ተረጋግጽ። ብዝኾነ እዚ ትምህርቲ እዚ ኣብ እምነተይ ዓቢይ ምጽንናዕ ስለ ዝሃበኒ፡ ነቲ ኣብ ከምዚ ዓይነት ምፍልላይ ዘመን ኣብ እምነተይ ጸኒዐ ክጽበ ትዕግሥቲ ዝሃበኒ፡ ምስቶም ከይፈለጡ ተገሪዞም ዝጠፍኡ ስለ ዘይወፈየኒ ንኣምላኸይ ክብሪ ይኹኖ። 

 ነዚ ካብ መዓር ዝጥዕም ካብ ጸባ ዝፅዕዱ ትምህርቲ ከምዚ ገይሮም ዘዳለዉልና ኣቦና ድማ፡ እግዚአብሔር ሰማያዊ ዓስቦም ይሃቦም። ኣቦና ድኅሪ ሓደ ሰሙን መቐጸልታ ናይዚ ትምህርቲ እዚ ዝኾነ ጽሑፍ ኣዳልዮምልና ብምጽናሕ ዓደሉና። ካብዛ ጽሑፍ እዚኣውን ብዙኅ መንፈሳዊ ሃብቲ ክድልብ ምዃነይ ብምእማን፡ መደባት ቤተ ክርስቲያን ምስ ወዳእና፡ ኣብ ባቡር ኮይነ ከንብባ ተሃንጠኹ…