bieteelyas.blogspot.com ቤተ ኤልያስ

Monday 27 November 2017

10. ምምላስ ሰብነት ናይ ቅዱስ ዮሓንስ ኣፈወርቅ ናብ ቁስጥንጥንያ

ናይ ቅዱስ ዮሓንስ ኣፈወርቅ ሕይወቱን ትምህርቱን   ካብ ዝብል ሓድሽ መጽሓፍ ካብ ገጽ  10-114   ዝተወስደ


 ቅዱስ ዮሓንስ ኣፈወርቅ ናይ ሕይወቱ ቅድስናን ናይ ትምህርቱ ርቱዕነትን (ቅኑዕ ትምህርቱ) ከምኡውን ብዝወረዶ ግፍዒ ኣብ ስደት እንከሎ ኣብ መበል 60 ዓመቱ ናይ ሙማቱ ነገርን ኣብ ልቢ ናይ ክርስቲያን ብዘይርሳዕ ማኅተም ዚተቐረጸን ኵሉ ጊዜ ክትዝክሮ እንከለኻ ልብኻ ዝትንክፍን እዩ። ናይ ቅዱስ ዮሓንስ ኣፈወርቅ ወደ መዝሙር ዚነበረን ካብ 434-447 ድማ ናይ ቁስጥንጥንያ ፓትርያርክ ዚነበረን ቅዱስ ጵሮክለስ ኣብ ቅድስት ሶፊያ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ናይ እዚ ክቡር ዝኾነ መምህር (ኣብ ናይ ቅዱስ ቅዱስ ዮሓንስ ኣፈወርቅ) መዘከርታ በዓል ኣብ ጊዜ ቅዳሴ እንከሎ፡ ንቕዱስ ዮሓንስ ኣፈወርቅ ብምዝካር ከምዚ ዝስዕብ እናበለ ኪምህር ጀመረ፦ 

“ቅዱስ ዮሓንስ ኣፈወርቅ ከምቲ ዝግብኦ መጠን ብትኽክል ኪግለጽን ኪምስገንን ዝኽእል ከምኡ ዚበለ ካልእ ዮሓንስ ምስ ዚትንሥእ ጥራይ እዩ። ምእመናን ናቱ ድኻሙን ተጋድሎኡን ትምህርቱን ጽንዓቱን ኪዝክሩ እንከለዉ፡ ከምቲ ካብ ጽሩይ ምንጪ ማይ ሰትዩ ዝረወየ ሰብ ጽምኣቶም ይጠፍእ። ካብ ቅዱስ ዮሓንስ ኣፈወርቅ ዝኾነ ሰብ ናይ እግዚአብሔር ፀሓይነት ብንጹር ዝርእየሉ ናይ እግዚአብሔር ናይ ጸጋ ነጸብራቕ ወፀ፡ በዚ ኣምላኻዊ ናይ ጸጋ ናይ ብርሃን ነጸብራቕ ድማ ሓደ ሓደ ኦርቶዶክሳዊት እምነት ካብ ኑፋቔ ምጽራይ ረኣየሉ፡ ካልእ ድማ ሓቂ ካብ ሓሶት ፈልዩ ረኣየሉ፡ ካልእ ድማ ብሃይማኖትን ብምግባርን ጸንዓሉ፡ ካልእውን ዘብርህ ሰማያዊ ኽብሪ ተዓዘበሉ። ኦ! ስምካ ምጽዋዕ ካብ ኵሉ እቲ መኣዛኡ ዚመቀረ ነገር ንላዕሊ ዝኾነ ቅዱስ ኣቦና፡ ኦ! ግብርኻ ሰማያዊ ዝኾነ ኣቦና፡ ኦ! ናይ እግዚአብሔር ቃል ብዘይምሕላል ዚመሃርካ ኣፈወርቅ፡ ኦ! ካብ ሰማያት ንላዕሊ ልዕል ልዕል ዝበሉ ምሥጢራት ዚተዛረበ ልሳን፡ ኦ! ካብ ነጐዳታት ንላዕሊ ዓው ኢልካ ወንጌል ዚመሃርካ መምህር”።

 እዚ ዮሓንስ እዚ ብትኽክል ምስቲ ብዘመን ዝቕድሞን ሰባኺ ንስሓ ዚነበረን ዮሓንስ መጥምቕ ሓደ እዩ። እቲ ኣዋጅ ነጋሪ ነበረ፡ እዚ ድማ ናይ ወንጌል ቀርኒ (መለኸት) እዩ። እቲ ዘይናወጽ ነበረ፡ እዚ ድማ ዘይሰዓር እዩ። እቲ ድንግል ነበረ፡ እዚ ድማ ናይ ንጽሕና ዕዉት እዩ። እቲ ኣብ ምድረ በዳ ኣጠመቐ፡ እዚ ድማ ሰኪዐቱ ናብ ከተማታት ደርበየ። እቲ ዝሙትን ኣመንዝራነትን ገሠፀ፡ እዚ ድማ ስስዐን ፍቕሪ ገንዘብን ኪጠፍእ ከም ዘለዎ ኣጥቢቑ መሃረ። እቲ ናብ ቤት ማእሰርቲ ተደርበየ፡ እዚ ድማ ተሰደደ። እቲ ርእሱ ተቖርጸ፡ እዚ ድማ ምእንቲ ሓቂ ክሳደይ ኪቑረጽ እየ በለ። ኣብዛ ምድሪ እዚኣ ናይ ቅዱስ ዮሓንስ ኣፈወርቅ መከራታትን ገድልታትን ኣዝዮም ብዙኃት ነበሩ፡ ኣብ ሰማያት ድማ ክበሩ ኣዝዩ ብዙኅ እዩ።

 ሕጂ ምስ ሓዋርያት ኮይኑ ከምዚ እናበለ ይጭርሕ፦ “ናይ ክርስቶስ ጥዑም መኣዛ እየ፡ ንዓለም ካብ ናይ ስሕተት ክፉእ ሽታ ኣድኂነያ ኣለኹ። ኣብ ኤፌሶን ንጣዖታት ኣጥፊአዮም እየ፡ ኣብ ፍርግያ ንናይ ሓሶት ኣማልኽቲ ከም ዘይቅጽሉ ገይረዮም ኣለኹ፡ ኣብ ቂሣርያ ኣነዋሪ ዝኾነ ተግባራት ዚፍጸመሎም ዚነበረ ቦታታትን ገዛውትን ኣጥፊአዮም እየ፡ ኣብ ሶርያ ናይ ኣሕዛብ ምትእኽኻብን ከንቱ ልማዳትን ኣትሪፈዮም ኣለኹ፡ ኣብ ፋርስ ዘርኢ ቃለ እግዚአብሔር ዘሪአ ኣለኹ። ኣብ ኵሉ ቦታ ኦርቶዶክሳዊት እምነት ተኺለ ኣለኹ።” ኦ! ቅዱስ ዮሓንስ ሕይወትካ ብፈተና ዚተመልአ ኣዝዩ ዘኅዝን ነበረ፡ ሞትካ ግና ዝኸበረ እዩ። እቲ ኽቡር ሥጋኻ ዚዓረፈሉ መቓብርውን ዚተባረኸ እዩ፡ ብምሕረት ናይ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ንዝተዳለወልካ ኣኽሊል ንኽትቅበል ካብ ድኻምካ ዓረፍካ፡ ዋጋኻ ድማ ኣዝዩ ብዙኅ እዩ። ኦ! ዝኸበርካ ኣቦና፡ ናይ ጊዜን ናይ ቦታን ወሰን ኃሊፍካ፡ ንናይ ጠፈራት ወሰናስን ኣቋሪጽካ፡ ነዚ ናይዛ ዓለም ድኻምን ውሱንነትን ስዒርካ ኢኻ። ናይ ቅድስና ሥራሕ ምሥራሕን ተኣምር ናይ ምግባር ኃይልኻን ቦታ ዝውስኖ ስለ ዘይኮነ፡ ነዞም ኣብዛ ናይ ፈተና ዓለም ዘለና ንዓና ንደቅኻ ኣይትረስዓና።”

 እቶም ኣብ ውሽጢ ቤተ ክርስቲያን ኮይኖም ነዚ ስብከት እዚ ዚሰምዑ ዚነበሩ ክርስቲያን፡ በዚ ቅዱስ ጵሮክለስ ዚተዛረቦ ቃል ልቦም ኣዝዩ ስለ ዚተተንከየ፡ ስብከቱ ክሳዕ ዝውድእውን ኪዕገሡ ኣይከኣሉን። ኵላቶም ብሓንቲ ቓል ናይ ቅዱስ ዮሓንስ ኣፈወርቅ ክቡር ሰብነት ካብ ኮማኒ ናብ ቁስጥንጥንያ ንምምጻእ ነቲ ንጉሥ ንኽልምነሎም ኣጥቢቖም ለመንዎ። ፓትርያርክ ጵሮክለስ ድማ እቲ በዓል ምስ ተፈጸመ ብቕጽበት ናብቲ ንጉሥ ናብ ንጉሥ ቴዎዶስዮስ 2ይ (ወዲ ንጉሥ ኣርቃዴዎስ 408-450 ዓ.ም) ብምኻድ ናይ ቅዱስ ዮሓንስ ኣፈወርቅ ዓፅሚ ንኸምጽእ ኪፈቕደሎም ከምዚ ዝስዕብ ብምባል ለመኖ፦ 
 “ኦ! ንጉሥ ናይቲ ብምሥጢረ ጥምቀት ውሉድነት ዝሃበካን፡ ከምቲ ስምዖን አረጋዊ ኣብ ቤተ መቕደስ ንጐይታና ዚተቐበሎ ንዓኻ ድማ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ዚተቐበለካን ሰብነት ከም ዝምለስ ግበር። ቤተ ክርስቲያን ናባካ ከምዚ እናበለት ተልቅስ ኣላ፦ “መልክዐይ ደብዚዙ ልሳነይውን ተዓጽወ፡ እተን ብናይ ኣፈወርቅ መጓሰ ዚጓሰያ ዚነበራ ኣባጊዐይ ክፉእ ኣራዊት በቲንወን እዩ፡ ናይቲ ናተይ ልሳን ኮይኑ ዘገልግለኒ ዚነበረ ናቱ መንፈሳውያን ደቁ ጨካናት ኣራዊት ነጠቑዎም። ናይ ኣገልጋሊየይ ጸላእቲ ብቕንኣት ተላዒሎም ነቲ ናይ ቅድስና መንበሩ ኣርከስዎ። ከምቲ ነቶም ኣብ ጫካ ዘለዉ ኣግራብ ዚገብሩዎም፡ ነዚ ቅዱስ ኣቦ (ንቕዱስ ዮሓንስ ኣፈወርቅ) ብምሳር ቆሪጾም ኣብ መቓብር ትም ከም ዝብል ገበርዎ። መናፍቓን ነዚ ብዅሉ ነገር ክንስዕሮ ዘይንኽእል ዚነበርና፡ ሕጂ ንትምህርታቱ ከንቱ ኺንገብሮም ኢና፡ ምኽንያቱ ሕጂ ንሱ ንትምህርትና ኺቃወም ብሕይወት ስለ ዘየለ ይብሉ ኣለዉ፡ ኦ! ግርማዊ፡ ብዛዕባ እቲ ኣብ ኣፈወርቅ ዝኾነ ነገር ክሳእ መኣዝ እዮም ጸላእተይ ኣባይ ክላገጹ፧ ነቲ ንመርዓዊየይ ንክርስቶስ ብትኽክል ዚሰበኾን ዘንጸባረቖን ንእኡ ናባይ ምለሰለይ። ንመንፈሳዊ ኣቦኻ ናብታ መንፈሳዊት አዴኻ ናባይ ምለሰለይ። ነታ ብሥጋ ዚወለደትካ ኣይትምሰላ፡ ምኽንያቱ ልባ ምሕረት ዘይፈልጥን ፍቓዳ ድማ ናብ ክፍኣት ዘዘንበለትን እያ ነይራ።  እንተ ኾነ ግና ነቲ ዝኾነ ሰብ ንእኡ ገንዘብ እንተ ዘይገይሩዎ ንእግዚአብሔር ክርኢ ዘይከኣሎ ቅድስና ተኸተል። ኣውዶክስያ ሕጂ የላን ቤተ ክርስቲያን ግና ንዘለዓለም እያ ትነብር። ኣነ ዘለዓለማዊት ኣዴኻ እየ። ንኣፈወርቅ ምለሶ እሞ ደስ ከም ዝብለኒ ግበር፡ በዚ ድማ ኣነ ኣብ ቅድሚ እግዚአብሔር ኣተዓራቒት ኪኸውን እየ። ኣፈወርቅ ኣማላዲካ ከም ዝኸውን ግበር፡ ብናይ ኣቦኻ (ብናይ ቅዱስ ዮሓንስ ኣፈወርቅ) ጸሎት ዝጸናዕካ ምእንቲ ኪትከውን፡ ወዲ ሓቂ ምዃንካ ብተግባር ኣርኢ”

 እቲ ንጉሥ ድማ ናይ ቅዱስ ጵሮክለስ ለመና ብምቕባል፡ ንሕቶ ናይቲ ሕዝቢ ከም ዚተሰማምዐ ገለጸ። ብድኅርዚ ዓበይቲ ሰበ ሥልጣናትን መኳንንትን ናይ ቅዱስ ዮሓንስ ኣፈወርቅ ዝኸበረ ዓፅሙ ንኸምጽኡሉ ካብ ብሩር ዚተሠርሐ ሳንዱቕ ኂዞም ናብ ኮማኒ ከዱ። ኣብቲ ቦታ ምስ በጽሑ ንጳጳስ ናይቲ ኸባብን ነቶም ሕዝበ ክርስቲያንን ነቲ ኽቡር ናይ ቅዱስ ዮሓንስ ኣፈወርቅ ሰብነት ከረክብዎም ከም ዘለዎም ዝእዝዝ ናይ ንጉሥ ደብዳቤ ሃቡዎም። በዚ ነገር እዚ እቲ ጳጳስን እቶም ሕዝበ ክርስቲያንን ኣዝዮም ኣምሪሮም በኸዩ።

 እንተ ኾነ ግና እቶም ነቲ ኽቡር ዓፅሙ ኪወስዱ ዚለኣኾም ሰባት ነቲ ኽቡር ናይ ቅዱስ ዮሓንስ ኣፈወርቅ ዓፅሚ ከንቀሳቕሱ ኣይተኻእሎምን፡ ካብ እምኒ ዓረ ንላዕሊ ከበዶም። ኵሉ ዓይነት ፈተነ እኳ እንተ ገበሩ ከውፅእዎ ግና ኣይከኣሉን። እሞ እዚ ቅዱስ ኣቦ ኣብዚ ኪኸውን ፈቒዱ ኸይከውን ኢሎም ብምሕሳብ፡ እቶም መኳንንቲ ነቲ ዝኾነ ኵሉ ነገር ዝገልጽ ደብዳቤ ንንጉሥ ቴዎዶስዮስ ጸሓፉሉ። እቲ ንጉሥ ድማ ምስ ፓትርያርክ ቅዱስ ጵሮክለስን ምስ ካልኦት ሕያዎት ሰባትን ምስ ተመኻኸረ፡ ብዘይ ጸሎት ትም ኢሉ ናይቲ ቕዱስ ኣቦ ዓፅሚ ከምጽኡዎ ምእዛዙ ጌጋ ምዃኑ ተረድአ። ብድኅርዚ ንቕዱስ ዮሓንስ ኣፈወርቅ ናይቲ ዝገበሮ ጌጋን ድፍረትን ይቕሬታ ዝኃዘን፡ ናብ መንበሩ ብምምላስ ነቲ መጓሰ ደስ ከብሎን፡ ልክዕ ብሕይወተ ሥጋ ከም ዘሎ ገይሩ ብምምሕሳን ደብዳቤ ንምጽሓፍ ወሰነ። እቲ ንጉሥ ብኢዱ ዚጸሓፎ ደብዳቤ ከምዚ ይብል፦

 “ካብ ንጉሥ ቴዎዶስዮስ ናብቲ ናይ ኵሉ ዓለም መምህር ዝኾነ መንፈሳዊ ኣቦይ ናብ ቅዱስ ዮሓንስ ኣፈወርቅ፡ ኦ! ኣዚኻ ዝኸበርካ ኣቦይ፡ ነቲ ኽቡር ሰብነትካ ከምቶ ሕይወት ዘይብሎም ከም ካልኦት ሰባት ቆጺረ ብቕልጡፍ ንኽመጽእ ኣዘዝኩ። እንተ ኾነ ግና ኣነ ነዚ ዝበቅዕ ካብ ዘይምዃነይ ዚተላዕለ፡ ከም ዝሓሰብኩዎ ኣይኮነለይን። ስለዚ ናተይን ናይዚ ሕዝብን ለመና ንኽትቅበል፡ ብሓቂ ሕያው ንዝኾንካ ንዓኻ እዚ ኣነ ባዕለይ ብኢደይ ዝጸሓፍኩዎ ደብዳቤ ለኣኽኩልካ። ኦ! ንስሓ ዚሰበኽካ ክቡር ኣቦ፡ ነቲ ንቕድስናኻ ዘይግባእ ዝፈጸምኩዎ ኵሉ በደል ኣብ ናይ ምሕረትካ መዓሙቕ ደርብየለይ፡ ተነሳሒ ንዝኾንኩ ንኣይ ይቕረ በለለይ። ናብዞም ዚፈትዉኻ ደቅኻ ተመለስ፡ ናባና ብምምጻእካውን ደስ ይበለና። ንኻልኣይ ጊዜ ምእንቲ ከይኃፍር ንኽትመጽእ ብትሕትና ደኣ እልምነካ እምበር፡ ምጻእ ኢለ ኣይእዝዘካን እየ። ኦ! ኣዚኻ ዚተፈተኻን ዚተኸበርካን ኣቦ፡ ብፍጹም ፍቕርን ደስታን ምእንቲ ኪንቅበለካስ በጃኻ ብፍቓድካ ናባና ንዓ።” 

 እቲ ንጉሥ ጽሒፉ ምስ ወድአ ነቶም መልእኽተኛታት ሃቦም እሞ ነቲ ደብዳቤ ወሲዶም ኣብ ናይ ቅዱስ ዮሓንስ ኣፈወርቅ መቓብር ንኸቐምጡዎን፡ ምሉእ ለይቲ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ጸሎት ከብጽሑ ኪኃድሩ ከም ዘለዎምን ኣዘዘ። እዚ ኣገልግሎት እዚ ምስ በጽሐ እቲ ደብዳቤ ኣብ ናይ ቅዱስ ዮሓንስ ኣፈወርቅ ሰብነት ምስ ገበርዎ፡ እቲ ኽቡር ዓፅሙ ብቐሊሉ ኪወፅእ ከኣለ። ብድኅርዚ ብዓቢይ ሓጐስ ናብቲ ብንጉሥ ዚተላእኸ ሳንዱቕ ኣእተዉዎ። ኣብ መቓብሩ ዚወደቐ ቁራጽ ጨርቂ ነበረ። ነቲ ጨርቂ ሓደ እግሩ ዚለመሰ ናይቲ ኸባቢ ድኻ ሰብ ወሲዱ ኣብታ ዚለመሰት እግሩ ጠምጠሞ። ብቕጽበት ድማ ከምታ ጥዕይቲ እግሩ ኮነትሉ እሞ ንእግዚአብሔር እናመስገነ ብሓጐስ ዘለለ።

 ሕዝቢ ናይቲ ኸባቢ ኣብ ኣእዳዎም መብራህታት ብምኃዝ ናይ ቅዱስ ዮሓንስ ኣፈወርቅ ሰብነት ንመወዳእታ ጊዜ ንምኽባር ተኣከቡ። ሰብነት ናይዚ ክቡር ኣቦ ስለ ዚተወሰዶም እናኃዘነኑን እናበኸዩን ደድኅሪኦም ብምስዓብ ነዊኅ መገዲ ኣፋነዉዎም። እቶም ነቲ ኽቡር ዓፅሙ ዝኃዙ ኣብ ናይ ኬልቄዶን ወደባት ምስ በጽሑ፡ ንጉሥ ቴዎዶስዮስ ምስ ናይ መንግሥቲ ሹማምንቲ፡ ፓትርያርክ ድማ ምስ ካህናትን ኪቚጸር ዘይክእል ሕዝብን ኣብ ጃልባ ኾይኑ ተቐበሎም። ናይ ቅዱስ ዮሓንስ ኣፈወርቅ ዓፅሚ ዝኃዘ ሳንዱቕ ኣብ ናይ ንጉሥ መርከብ ሰቐሉዎ። እንተ ኾነ ግና እተን መራኽብ ናብ ከተማ ቊስጥንጥንያ ምስ ተበገሳ ብርቱዕ ማዕበል ተላዕለ። ብዘይካ እታ ናይ ቅዱስ ዮሓንስ ኣፈወርቅ ዓፅሚ ዝኃዘት መርከብ ድማ እተን ካልኦት ኵላተን በቲ ማዕበል ተበታተና። እታ ዝኸበረ ዓፅሙ ዝኃዘት መርከብ ግና ኣንፈት መሐበሪ ኮምፓስ (ብሶላ) እኳ እንተ ጠፍኣ ናብዝን ናብትን ከይበለት ብቐጥታ ናብ ወሰን ባሕሪ በጽሐት። እታ መርከብ ናብታ ብሕይወተ ሥጋ እንከሎ ዚተኸራኸረላን፡ ሓንቲ ምኽንያት ናይ ስደቱ ዚነበረትን፡ ናብ ናይ ኣታኽልቲ ቦታ ናይታ ሰብኣያ ዝሞታ ሰበይቲ በጽሐት። በዚ ድማ ዋላውን ምስ ሞተ እዚ ኣቦ እዚ ንጽድቂ ዘለዎ ቀናኢነት ኣረጋገጸ፡ ንግፍዒ ድማ ኣወገዘ።

 እዛ ናይ ቅዱስ ዮሓንስ ኣፈወርቅ ሰብነት ዝኃዘት መርከብ ናብ ጫፍ ምስ በጽሐት እቲ ማዕበል እናሃድአ ኸደ። ብድኅርዚ ኵለን ጃላቡ ዋላ ሓንቲ ጉደኣት ከይወረደን ብሰላም ናብታ ወደብ በጽሓ። ዓፅሚ ናይ ቅዱስ ዮሓንስ ኣፈወርቅ ድማ ካብታ መርከብ ወረደ። ሕዝቢ ኸተማ ቁስጥንጥንያ ብምሉኦም መብራህቲ ኂዞም፡ መዝሙር እናዘመሩ ብሓጐስን ብደስታን ተቐበሉዎ። እዚ ድማ ድኅሪ ዕረፍቱ ድኅሪ 30 ዓመት ማለት ብ438 ዓ.ም ኮይኑ፡ ናይ ቅዱስ ዮሓንስ ኣፈወርቅ ዓፅሚ ዝኃዘ ሳንዱቕ፡ ኣብ ናይ ሰማዕት ቅዱስ ኢሬን ቤተ ክርስቲያን ከም ዝዓርፍ ተገብረ። ንጉሥን ፓትርያርክን ነቲ ሳንዱቕ ምስ ከፈትዎ፡ ሰብነት ናይ ቅዱስ ዮሓንስ ኣፈወርቅ ዋላ ሓንቲ ከይተለወጠ ምስ ሥጋኡ ረኸብዎ። ኣዝዩ ፍሉይ ዝኾነ ጥዑም መኣዛ ድማ ካብ ሰብነቱ ይሽትት ነበረ። ቴዎዶስዮስ ድማ ልብሰ መንግሥቱ ኣውፂኡ ናብ ሰብነት ናይ ቅዱስ ዮሓንስ ኣፈወርቅ ደርበዮ እሞ፡ ርእሱ ኣብ ደረት ናይ ቅዱስ ዮሓንስ ኣፈወርቅ ገይሩ ዓይኑ ብንብዓት እናተሓጸበ ብምብካይ ከምዚ በለ፦

 “ኦ! ቅዱስ ኣቦይ፡ በጃኻ ኣባኻ ንዝተገብረ ኃጢአት ይቕረ በል፡ ብናይ ኣደይ በደልን ኣባኻ ብዝነበራ ጽልእን ኣነ ንኽቕጻዕ ኣይትኅደገኒ። ዋላ እኳ ወዲ እታ ዘሳደደትካ እንተኾንኩ፡ ኣነ ግና ዋላ ሓንቲ ኣይበደልኩን። ወዳ ስለ ዝኾንኩ ጥራይ ንኸይቅጻዕ በጃኻ! ኵሉ በደላ ይቕረ በለላ። ናይ መንግሥተይ ክብሪ ኣብ እግርኻ ደርብየ፡ ናትካ ኣማላድነትን ይቕሬታን ጥራይ እናተጸበኹ ዓቕሚ ዘይብሉ ኾይነ ኣብ ትሕቲ እግርኻ ወዲቐ ኣለኹ። እቲ ንዓኻ ዝበደለቶን ኣባኻ ዘውረደቶ ግፍዕን ይቕረ በለላ፡ ንሳ (ኣውዶክስያ) ብልሳነይ ገይራ ከምዚ እናበለት ትምሕጸነካ ኣላ፦ “ኦ! ኣቦይ፡ ነቲ በደል ናይ ሰባት ይቕረ ክንብል ከም ዝግባእ ዝመሃርካዮ ትምህርቲ ዘክር፡ ኵሉ በደለይ ኅደገለይ፡ ካብ ውድቀተይ ኪትንሥእ ይምነ ኣለኹ እሞ ናይ ረድኤት ኢድካ ዘርግሓለይ፡ ምኽንያቱ ንስኻ ‘ማንም ዝወደቐ እንተሎ ይተንሥእ እሞ ይድኃን’ ኢልካ ኢኻ። መቓብረይ እኳ ንኣዕጽምተይ ዕረፍቲ ኣይሃቦን እሞ፡ ሕጂ ናትካ ሽግርን ኃዘንን ኪሽከም ኣይክእልን እየ። ኣብ ጊዜ ፍርዲ ኣብ ጸጋም ክርስቶስ ከም ዝቐውምን፡ ዘለዓለማዊ ቅጽዓት ከም ዝጽበየንን ስለ ዝፈልጥ ኣብ ከቢድ ጭንቀት እየ ዘለኹ። ብትምህርትኻ ብዙኃት ኣድኂንካ ኢኻ እሞ ንኣይ ጥራይ ካብ ድኅነት ወፃኢ ኣይትግበረኒ። ከምቲ ንሔዋን ኣብ ልዕሊ እግዚአብሔር ከም ትለዓዓል ዚገበራ፡ ንኣይ ድማ ኣባኻ ከም ዝለዓዓል ንዝገበረኒ ንዲያብሎስ ደኣ ተበቀሎ እምበር፡ ነዛ ናባኻ ትጭርሕ ዘላ ንኣይ ኣይትግደፈኒ። ኦ! ርኅሩኅ ኣቦ፡ ኣባይ ኣይትኾሪ፡ ኣይትጨክነለይ። ኣብ ናይ ሕይወት ዘመንካ ነቶም ኣባኻ በደል ዘውርዱ ዚነበሩ በደሎም ኣይትኅዘሎም ኢኻ ዚነበርካ እሞ፡ ሕጂ ኣብ ሰማያት ምስ ኮንካ ድማ ብዝበለጸ ንዝተበደልካዮ ኣይትዘክር። ኣነ ኣብ ጊዝያዊ መንግሥቲ ኾይነ በዲለካ፡ ንስኻ ግና ኣብ ዘለዓለማዊ መንግሥቲ ዄንካ ይቕረ በለለይ፡ በደለይ ብድኅሪ መቓበር መኃረኒ። ክብረይ ብምሉኡ ኃሊፉ እዩ ሕጂ ዋላ ሓንቲ ዚጠቕመኒ ነገር የልቦን። ስለዚ ኦ! ኣቦይ፡ ናይቲ ኣብ ሰማያዊ ብርሃን ዘሎ ናትካ ረድኤት እምሕጸን ኣለኹ። ነታ ዋላ ሓንቲ መልሲ ዘይብለይ ንኣይ፡ ኣብ ቅድሚ ናይ ክርስቶስ ናይ ፍርዲ ዝፋን ከይፍረደኒ በጃኻ! ይቕረ በለለይ።”

 ነዚ ነገር እዚ ምእንቲ ኣዲኡ ኣውዶክስያ ኪዛረብ እንከሎ፡ ንሰብነት ናይ ቅዱስ ዮሓንስ ኣፈወርቅ ብንብዓት ሓጸቦ፡ብዓቢይ ኣኽብሮትን ፍቕርን ድማ ሰዓሞ። ፓትርያርክ ጵሮክለስውን ንናይ ቅዱስ ዮሓንስ ኣፈወርቅ ሰብነት ብዓቢይ ትሕትናን ፍቕርን ሰዓመ። ከምዚ ድማ በለ፦ “ኦ! ንክርስቶስ ትፈቱ ኣዚኻ ዝኸበርካ መምህር ደስ ይበልካ! ኣነ ካባኻ መንፈሳዊ ጸባ እናጠበኹ ዝዓበኹ ወድኻ እየ። ኣነ ናትካ ወራሲ መንበር ከም ምዃነይ መጠን ናተይ ኣባጊዕ ኣባጊዕካ እየን። ክሳዕ ሕጂውን ንስኻ ገዲፍካዮ ንዝኸድካ መግቢ እዮም ዝምገቡ ዘለዉ። በጃኻ ምህላውካ ግለጽ፡ ንዓናውን ተዛረበና።” እቲ ተኣኪቡ ዚነበረ ሕዝቢ ነቲ ናይ ቅዱስ ዮሓንስ ኣፈወርቅ ሰብነት ዚኃዘ ሳንዱቕ ንምትንካይ ኣዝዩ ሃረፈ። ኣብ ቤተ ክርስቲያን ጸሎት ኪግበር ከሎውን እቲ ሕዝቢ ምሉእ መዓልትን ለይትን ካብቲ ናይ ቅዱስ ዮሓንስ ኣፈወርቅ ሰብነት ዚኃዘ ሳንዱቕ ከይተፈልየ ኃደረ። ንጽባሒቱ ንግሆ ሰብነቱ ኣብ ሠረገላ ናይ ንጉሥ ተሰቒሉ ናብ ናይ ቅዱሳን ሓዋርያት ቤተ ክርስቲያን ተወስደ። ሰብነት ናይዚ ቅዱስ ኣቦ ዚኃዘ ሳንዱቕ ኣብ መንበረ ፕትርክናኡ ምስ ተቐመጠ፡ እቲ ሕዝቢ ብሓንቲ ቓል ኮይኑ፦ “ኦ! ኣቦና መንበርካ ተረከብ” እናበሉ ብብኽያትን ብንብዓትን ከልቅስ ጀመረ። ፓትርያርክ ጵሮክለስን እቶም ኣብ ጥቓ ሰብነት ናይዚ ቅዱስ ኣቦ ዚነበሩ ካህናትን ቅዱስ ዮሓንስ ኣፈወርቅ ኣፉ ክፍት ኣቢሉ በቲ ልሙድ ናይ ጳጳሳት ቡራኬ “ሰላም ንዅልኹም ይኹን” ክብል ረኣይዎን ሰምዕዎን።

 ኣብ ጊዜ ጸሎተ ቅዳሴ ብዙኃት ሕሙማት ብሰብነት ናይዚ ቅዱስ ኣቦ ብተኣምራት ተፈወሱ። ናይ ኣውዶክስያ መቓብር ግና ኣንቀትጥቂጡ ኣብኡ ሰጠመ። ኣብ መወዳእታ ድማ ሰብነት ናይ ቅዱስ ዮሓንስ ኣፈወርቅ ኣብ መቕደስ ናይ ሓዋርያት ቤተ ክርስቲያን ምስቶም ዝቐደሙ ፓትርያርካትን ነገሥታትን ብኽብሪ ዓረፈ። በረኸቱን ጸሎቱን ጣዕሙን ፍቕሩን ይኅደረና፡ ንዘለዓለምውን ኣይፈለየና፡ ኣሜን”