bieteelyas.blogspot.com ቤተ ኤልያስ

Wednesday 27 July 2016

መልሲ ንልቡሳነ ስጋ ኣጋንንት መበል 26 ክፋል


   
4.  ቦኽሪ ወዳ ክሳዕ ትወልድ ኣይፈለጣን ዝብል ትርጉም

 4.1 ክሰዕ ዝብል ቃል ንግብረ ሰጋ ሂበና ምስ ንትርጉሞ፡ፍጻሜ ዘይብሉ ክሳዕ ዘመልክት ስለ ዝኾነ፡ ክሳዕ ዘለዓለም ብግብረ ሥጋ ኣይፈለጣን ማለት እዩ። ከመይ ዝበለ ድፍረት እዩ ኸ መለኮት ኣብ ዝተቐመጦ ዙፋን ፍጡር ክቕመጠሉ? ድንግል ማርያም እኮ ናይ ሓድሽ ኪዳን ኪሩቤል እያ። ኣብ ዝባን ኪሩቤል ከ ብዘይካ ፈጣሪ መን እዩ ደፊሩ ክቕመጥ ዝኽእል? እዚ ፈጺሙ ዘይሕሰብ እዩ።

ብተወሳኺ ዮሴፍ ነዚ ክደፋፈር ዘይክእል ጻድቕን ዓቐሚ ውን ዘይነበሮ ኣረጋዊ እዩ ዝነበረ። መናፍቓን ግን ነዚ ንመርዓ ተሓጽይዋ ዝብል ክሕደት መታን ክሕግዞም ንዮሴፍ ክስእልዎ ከለዉ መንእሰይ ጌሮም እዮም ዝስእልዎ። ናይ ቤተ ክርስቲያንና ሊቃውንት ግን ነቲ ሓቀኛ ትውፊት ተቐቢሎም ዮሴፍ ካብቶም ኣብ እስራኤል ኣንስቶም ዝሞትኦም ኣረጋውያን ከም ዝነበረ ይነግረና። ኣብ ጽጌ ድንግል ውን ኣብ ማኅሌተ ፅጌ “ይጸውር ስንቀኪ ኣረጋዊ ይጸውር ስንቀኪ” ብምባል ዮሴፍ ኣረጋዊ ከም ዝነበረ ይነግረና።

4.2   ቦኽሪ ወዳ ክሳዕ ትወልድ ኣይፈለጣን ዝብል ትርጉም ድማ፡ እዚ ክሳዕ ዝብል ትርጉም ፍጻሜ ዘልዎ ክሳዕ ኮይኑ ከም’ዚ ኣብ ላዕሊ ዝረኣናዮ “ነቲ መለኮታዊ ኣምላኽ ጽኒሳ ብምምባራ መልክዓ ይቀያየር ስለ ዝነበረ፡ ነቲ ጸኒሳቶ ዝነበረት መለኮታዊ ኣምላኸ ብስጋ ክሳዕ ትወልዶ ዮሴፍ መልክዓ ጽቡቕ ጌሩ ኣይፈለጣን” ብዝብል ይትርጎም።

4.3  ቦኽሪ ወዳ ክሳዕ ትወልድ ኣይፈለጣን ዝብል ትርጉም ብተወሳኺ ፍጻሜ ዘለዎ ክሳዕ ኮይኑ፡ ነቶመ ኣብ ዝሓልፍ ክፋል ዝጠቐስናዮም 5 ነገራት ክሳዕ ዝርኢ “ድማ ንሳ ብሓይሊ መንፈስ ቅዱስ ንኣምላኽ ዝጠነሰት ኣደ ምዃና ኣይፈለጥን” ብምባል ይትርጎም።

       5. ትርጉም ናይ’ዚ “ሓው” ዝብል ቃል

5.1   ደቂ ሓንቲ ሃገር የሕዋት ይበሃሉ ‘ሙሴ” ዘፀ 2፡11
5.2    ኣዝማድ “ኣብርሃምን ንሎጥ ንሕና ኣሕዋት ኢና እሞ በጃኻ ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎኻን ኣብ መንጎ ጓሶተይን ኣብ መንጎ ጓሶትካን ባእሲ ኣይኹን። ዘፍ 13፡8

5.3    ሓቀኛ ኣዕሩኽ (ፈተውቲ) “ዮናታን ወዲ ሳኦል ንዳዊት ፈታዊኡ ኔሩ፡ ዮናታን ምስ ፍሊስጤም ክዋጋእ ኣብ ዝሞተሉ እዋን፡ ዳዊት ንጅግንነቱን ፍቕሩን ዘኪሩ በኸየሉ። “ኦ ዮናታን ሓወይ ብዙሕ ይፈትወካ ኔረ እየ’ሞ……..2ይ ሳሙ 1፡26

5.4    ደቂ ሓደ ነገድ “ንጉሥ ዳዊት ናብቶም ካህናት ልኢዅ ነቶም ዓበይቲ ይሁዳ ……………ንስኻትኩም ኣሕዋተይ ኢኹም………….2ይ ሳሙ 19፡11።

5.5   ብሃይማኖት “ኣቱም ኣሕዋተይ …..ሮሜ 1፡13 ፊል 1፡12

5.6    ሓቀኛ ኣዕሩኽ (ፈተውቲ) “ዮናታን ወዲ ሳኦል ንዳዊት ፈታዊኡ ኔሩ፡ ዮናታን ምስ ፍሊስጤም ክዋጋእ ኣብ ዝሞተሉ እዋን፡ ዳዊት ንጅግንነቱን ፍቕሩን ዘኪሩ በኸየሉ። “ኦ ዮናታን ሓወይ ብዙሕ ይፈትወካ ኔረ እየ’ሞ……..2ይ ሳሙ 1፡26

5.7    ደቂ ሓደ ነገድ “ንጉሥ ዳዊት ናብቶም ካህናት ልኢዅ ነቶም ዓበይቲ ይሁዳ ……………ንስኻትኩም ኣሕዋተይ ኢኹም………….2ይ ሳሙ 19፡11።

5.8   ብሃይማኖት “ኣቱም ኣሕዋተይ …..ሮሜ 1፡13 ፊል 1፡12
5.9   ስምካ ንኣሕዋተይ ኪነግሮም እየ..(መዝ 22፡22) ዝበለ ጐይታ መን እዮም እቶም ስሙ ዝነገሮም? ንሳቶም ኣሕዋቱ ዝተባህሉ ድኣ ኵሎም ካብ ድንግል ማርያም ተወሊዶም ማለት ድዩ?

በዚ መሠረት ካብዞም ኣብ ላዕሊ ዝጠቐስናዮም በዚ ኣብ ቁጽሪ ክልተ ተጠቒሱ ዘሎ ናይ ዝምድና መገዲ ኣሕዋት ጎይታ ተባሂሎም ከም ዚተጸውዑ ኣረድኡ። እዚ ከመይ እዩ ንዝብል ኣቦኦም ብግሪኽ ቀልዮጳ ብእብራይስጥ ድማ እልፍዮስ ይበሃል። እልፍዮስን ኣረጋዊ ዮሴፍ ናይ እመቤትና ሓላዊን ኣሕዋት እዮም። ኣዴኦም ድማ ማርያም ትበሃል ንሳ ድማ ኢያቄም ሓና ሰበይቱ ምስ ዓረፈት ካብ ካልእ ሰበይቲ ዚወለዳ ሓውቲ ናይ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም እያ። በዚ ድማ እዩ ወንጌላዊ ቅዱስ ዮሐንስ “ሓውቲኖኡ ማርያም ሰበይቲ ቀልዮጳ” ብምባል ዝጸሓፈልና (ዮሐ 19፡25-26)። ደቂ ሓትነኡ ስለ ዝኾኑ ናይ ቀረባ ኣዝማድ የሕዋት ከም ዝበሃሉ የሕዋቱ ተባሂሎም። ዝምድናኦም ከመይ ምዃኑ ብመጽሓፍ ቅዱስ ጌሩ ከረድኦ ከሎ ድማ “ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ማርያም ብዝብል ስም ዝተጠቕሳ 8 ኣንስቲ” ብኸምዚ ዝስዕብ ጌሩ ይፈላልየን።

1.ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ሉቃ 1፡49....
2. ማርያም እህተ ሙሴ ዘፀ 2፡4-8 ዘፀ 15፡20-21 ዘሁ 12 ዘሁ 20 ዘዳ 24
3. ማርያም ጓል ወዲ እዝራ 1 ዜና 4፡16-17
4.ማርያም እህተ ኣልኣዛር (ማርያም እንተ እፍረት) ዮሐ 12፡1-8 ዮሐ 11፡1-2 ጽቡቕ ግደ ዝሓረየት ሉቃ 10፡39-42
5. ማርያም መግደላዊት ሸውዓተ ኣጋንንቲ ዝወጽኡላ ናይ ጐይታ ትንሳኤ ዘበሰረት። ሉቃ 8፡2 ማር 16፡9 ማቴ 27፡55-56 ዮሐ 19፡25
6. ማርያም ሰበይቲ ቀልዮጳ ኣደ ንእሽቶ ያዕቆብን ይሁዳን ዮሴን ስምዖንን ኣደ። ማቴ 13፡55-56 ማር 6፡3 ማር 15፡40 ማር 15፡47 ማር 16፡1 ሉቃ 24፡10
7. ማርያም ኣደ ማርቆስ ግ.ሐ 12፡12
8. ማርያም ባውፍልያ ማቴ 20፡20 ማቴ 27፡55

6. ማርያም ኣደ ያዕቆብን ዮሳን ስምኦንን ይሁዳን መን እያ?
6.1    
“    6.1 ኣብኡ ብዙሓት ኣንስቲ ርሕቕ ኢለን ይርእያ ነበራ። ንሳተን ንኢየሱስ ከገልግላ ካብ ገሊላ ዝሰዓብኦ እየን። ካብኣታተን ከኣ ማርያም  ባዓልቲ መግደላን ማርያም ኣደ ያዕቆብን ዮሴን ኣደ ደቂ ዘብዴዎስን ነበራ።” ማቴ 27፡55-56

6.    6.2 “ሰንበት ምስ ሓለፈት ማርያም ባዓልቲ መግደላን ማርያም ኣደ ያዕቆብን ሰሎሜን ከይደን ክለኽያ ቅዲት ዓደጋ።” ማር 16፡1-2

6.   6.3 እተን ነዚ ንሐዋርያት ዝነገራ ድማ ባዓልቲ መግደላን ዮሃናን ማርያም ኣደ ያዕቆብን ምሳታተን ውን ካልኦት ኣንስቲ ነበራ። ሉቃ 24፡10

6.4    6.4  “ኣብ ጥቓ መስቀል ኢየሱስ ከኣ ኣዲኡን ሓውቲ እኖኡ ማርያም ሰበይቲ ቆልዮጳን ማርያም መግደላዊትን ደው ኢለን ነበራ።” የው 19፡25

እምበኣረከስ ሓውቲ እኖኡ ንጐይታ ተባሂላ ዝላ እዛ ኣብ ወንጌል ዮሐንስ ዚተጠቕሰት ማርያም ሰበይቲ ቀልዮጳ እያ። ኣሕዋት ጐይታ ዝተባህሉ ድማ ደቃ እዮም።  ያዕቆብ ሓው ጐይታና ተባሂሉ ዘሎ ድማ እቲ ኣብ ማቴ 10፤3 ያዕቆብ ወዲ እልፍዮስ ተባሂሉ ዘሎ እዩ። እልፍዮስ ካልኣይ ስም ናይ ቀልዮጳ እዩ።
ክልተ ስም ንሓደ ሰብ ምሃብ ብእስራኤላውያን ልሙድ እዩ። ንኣብነት
1. ሓሙ ናይ ሙሴ ራጉኤል=ዮተር ( ዘፀ 18፡6 ዘኁ 10፡24)
2. ንጉስ ዖዝያን= ኣዛርያ (ኢሳ 6፡1 2ይ ዜና 26፡20)
3. ቅዱስ ጴጥሮስ ስምዖን ኬፋ (ማቴ 16፡17-18)
4. ቶማስ ዲዲሞስ (ዮሐ 11፡6 20፡24 21፡2) ተባሂሎም ተጸዊዖም ኣለዉ።

ብካልእ መገዲ ዮሴፍ ካብ መዋቲት ሰበይቱ ዚወለዶም ውን ምስ ጐይታ ብሓደ ስለ ዝዓበዩ ኣሕዋት ጐይታ ከም ዝተባህሉ ናይ ቀዳሞት ኣቦታት ትውፊት ይነግረና። ብ382 ዓ/ም ዝነበረ ቅዱስ ኤጲፋንዮስ እዞም ኣሕዋት ጐይታ ዚተባህሉ ዮሴፍ ኣረጋዊ ካብ መዋቲት ሰበይቱ ዝወለዶም እዮም ብምባል ምሂሩ ኔሩ። እዚ ትምህርቲ እዚ ቃል ብቃል እንተነገር ኪመጽእ ዚጸንሐ ትውፊት መሠረት ዚገበረ ኮይኑ፡ ኣብ ናይ ግብጽን ሶርያን ግሪኽን ኢትዮጵያን መጻሕፈቲ ውን ተጻሒፉ ኣሎ። ኣውሳብዮስ ዘቂሳርያ፡ ጎርጎርዮስ ዘኑሲስ ቄርሎስ ዘእስክንድርያን ነዚ ትምህርቲ እዚ ምሂሮም እዮም።(ቤተ ክርስቲያንህን እወቅ ገጽ 54-55)

 ብዛዕባ’ዚ ናይ ኣይሁድ ናይ ታሪኽ ጸሓፊ ዮሴፍ ወልደ ኮርዮን ውን ኣብቲ ብፕሮቶኢቫንጌሊዩም ኦፍ ጀምስ ኣብ ዝተባህለ መጽሓፍ ኣስፊርዎ ኣሎ።(oxford dictionary of the Christian church (oxford university pres 2005 article.”brethren of the Lord”)

እምበር ንጐይታ  በዓል ያዕቆብ ኣሕዋቱ ብሥጋ ኔሮም እንተዝኾኑ

1ይ. ያዕቆብ መልእኽቱ ኪጽሕፍ ከሎ “ያዕቆብ ባርያ ኢየሱስ ክርስቶስ” ካብ ምባል ሓው ኢየሱስ ክርስቶስ ምበለ ኔሩ።


2ይ. ብሥጋ ኣሕዋት ኔሮሞ እንተ ዝኾኑ ኸ ከመይ ጌሩ እዩ ኣብ መስቀል ኮይኑ ንዮሐንስ ሓደራ ዝሃባ? እንታይ ኮይኑ ንያዕቆብ ወይ ንይሁዳ ዘይሃቦም? እዚ ኵሉ ዘነጽረልና እምበኣር ጐይታ ብሥጋ ኣሕዋት ከም ዘይነበርዎ፡ ድንግል ማርያም ድማ ዘለዓለማዊ ድንግል ከም ዝኾነት እዩ።

Wednesday 20 July 2016

መልሲ ንልቡሳነ ስጋ ኣጋንንት መበል 25 ክፋል

ኣብኡ ኣብ መበል 6ይ ክፋል ስብከትካ ደጊምካ ነዚ ዚስዕብ ኢልካ ኔርካ ድሕሪ ልደት ኢየሱስ ክርስቶስ ግና ንዮሴፍ በዓልቲ ቤቱ እያ ኔራ፡ካብ ዮሴፍ  ድማ 4 ኣወዳትን ካልኦት ስመን ዘይንፈልጠን ኣዋልድን ወለዱ። ኢየሱስ ክርስቶስ ድማ ከም በዅሪ ወዳ ነበረደጊምካ ኣብ መበል 13 ክፋል ድማ “እንተኾነ ግን ንኢየሱስ ክርስቶስ ብዘይ ግብሪ ሥጋ ብድንግልናኣ እንኮላ እኳ እንተጠነሰቶ ክርስቶስ የሱስ ክውለድ ከሎ ግና ከምቲ ናብኣ ኪኣቱ ከሎ ብመንፈስ ዚነበረ ኪወጽእ ከሎ ግና ብሥጋ እዩ ኔሩ እምበር ከምቲ ዚነበሮ መንፈስ ኮይኑ ኣይኮነን ተወሊዱ። ኣብ ማህጸና ሥጋ ወዲ ሰብ ለቢሱ ከም ኣወላልዳ ኵሉ ሰብ እዩ ተዋሊዱ። ስለ’ዚ ድንግልና ማርያም ብናይ ሰብ ግብረ ሥጋ እኳ እንተዘይኮነስ ብምውላድ ክርስቶስ የሱስ ፈሪሱ እዩ። ምኽንያቱ ክርስቶስ የሱስ ብኣወላልድኡ ንዓና ኪመስል እንተድኣ ኮይኑ፡ ማርያም ውን ንዕኡ ኪትወልድ ከላ ድንግል ምዃና ተሪፉ ሰበይቲ ኪትከውን ግድን እዩ።


እዘን ኣብ ክልቲኡ ክፋላት ደጋጊምካ ኣስሚርካለን ዘለኻ ቃላት ኩለን ተደሚረን “ቅድስት ድንግል ማርያም” ድሕሪ ንጐይታ ምውላዳ ድንግል ኣይኮነትን ዝብል መልእኽቲ ዘለወን እየን። ግን ሕቶ ኪሓተካ? ቅድስት ድንግል ማርያም  ንዮሴፍ በዓልቲ ቤቱ ኔራ ዝብል ትምህርቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ኣበይ ቦታ ይርከብ? ወይ ቅድስት ድንግል ማርያም ድሕሪ ንጐይታና ምውላዳ ድንግል ኣይኮነትን ዝብል ከ ኣበይ ይርከብ? ንስኻ ብመጽሓ ቅዱስ እየ ዝኣምን ኢኻ ትብል፡ ስለ ምንታይ ድኣ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘየለ ክሕደት እናምጻእካ ንኣምላኽን ንወላዲቱን ብምጽራፍ ኣብ ርእስኻ ጉሁር ፍሓም ትእክብ? እስከ ነቲ ዓሚቱ ጋሪድካ ዘሎ ጸልማት ዝቕንጥጥ ናይ ነብያትን ሐዋርያትን ቃል ከቐብለካ’ስ በጃኻ ጽን ኢልካ ስምዓኒ። ብዝኾነ ነዚ ሕቶ እዚ ኣብ መበል 23 ክፋል ብሰፊሑ መሊሰዮ ስለ ዘለኹ ኣብ’ዚ ምድጋሙ ኣገዳሲ ኣይኮነን። ብዛዕባ እተን ድሕሪ ልደት ኢየሱስ ክርስቶስ ግና ንዮሴፍ በዓልቲ ቤቱ እያ ኔራ፡ካብ ዮሴፍ  ድማ 4 ኣወዳትን ካልኦት ስመን ዘይንፈልጠን ኣዋልድን ወለዱ። ኢየሱስ ክርስቶስ ድማ ከም በዅሪ ወዳ ነበረ” ዝብላ ሓረጋት ግን ሕጂ ውን ነዚ ብዘይርድኢት ዝህውትት ዘሎ ኣካይዳኻ እንተ ሓገዘካ መጸሓፍ ቅዱሳዊ ዝኾነ ትኽክለኛ ትርጉም ክህበካ ደስ ስለ ዝብለኒ ናብኡ ክሓልፍ።
እዚ ትምህርቲ እዚ ፈላሚኡ ሄሊቪድስ ዚተባህለ ኣብ 4ይ ክፍለ ዘመን ዚነበረ ላቲናዊ መናፍቕ ምዃኑ ይንገር። ንሱ መበገሲ ዚገበሮም ቃላት ናይ መጸሓፍ ቅዱስ ድማ (ኣብ ማቴ 1፡25 ማቴ 13፡56 ግ.ሐ 1፡14 ገላ 1፡19) ዘለዋ ቃላት እየን። ኣብ’ዘን ቃላት እዚኣተን (ኮኽሪ፡ ክሳዕ፡ ኣይፈለጣን፡ኣሕዋቱ፡ ኣሕዋት ጐይታ” ዝብላ ቃላት ኣለዋ። ግን ኣሕዋት ዝብል ቃል ኣብ መጽሓፍ ትርጉም ንመን እዩ ዝወሃብ? ነዚ ኣብ ላዕሊ ዝጠቐስናዮ ላቲናዊ መናፍቕ ኣብ ዘመኑ ዚነበሩ ሊቃውንተ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ጊዜኡ ዘየዳግም መልሲ ሂቦምዎ እዮም። ሓደ ካብኣቶም ድማ ኣባ ጄሮም እዩ። ጄሮም ነዚ ኣሕዋት ቦኽሪ ክሳዕ ዝብል ቃል ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ብዝግባእ ብምትንታን ከም’ዚ እናበለ መለሰሉ።
1. በዅሪ ወዳ ክሳዕ እትወልድ ኣይፈለጣአን ማቴ 1፡25
1.1 ነዚ ቃል እዚ መሠረት ብምብግባር ክርስቶስ ቦኽሪ ካብ ተባህለ፡ ብድሕሪኡ ዝተወለዱ ኣሕዋት ክህልውዎ ናይ ግድን እዩ ይብሉ።እስራኤል ንበዅሪ ውላዶም ናብ እግዚአብሔር ከቕርቡ ተኣዚዞም እዮም። በዅሪ ንምባል ከኣ ግድን ዳሕረዋይ ውላድ ዘድልዮ እንተ ዝኸውን ኔሩ ኣብ ሥርዓት እስራኤላውያን ኣብ ቤት መቕደስ ንበዅሪ ውላድ ዝግበር ኩሉ ካልኣይ ቆልዓ ክሳብ ዝውለድ ምተደናጎየ ኔሩ። ከምዚ ግን ኣይኮነን ክውለድ እንከሎ ከም ሥርዓቱ ይፍጸም ኔሩ። ዘጸ 13፡12 በዚ ድማ ኵሉ ቀዳማይ ዝተወለደ ውሉድ ድኣ ቦኽሪ ይበሃል እምበር፡ ሓደ ውሉድ ቦኽሪ ንኽበሃል ናይ ግድን ካልኣይ ውላድ ምጽባይ ዘየድልዮ ምዃኑ ኣረድኣና።
1.2   ኣብ እብ 1፡6 “ወልድ ንኣቦ በዅሪ ወዱ እዩ” ምባሉ’ኸ ቦኽሪ ናይ ግድን ተኸታሊ ዘለዎ ጥራይ እዩ ቦኽሪ ዝብሃል ካብ በልናስ፡ ንእግዚአብሔር ኣቦ ካልኣይ ውላድ ስለ ዘለዎ ድዩ ክርስቶስ ቦኽሪ ውላዱ ዝተባህለ? መጽሓፍ ቅዱስ ነቲ ሓደ ወዱ በጃ ክሳዕ ምሃብ ንዓለም ክሳብ ክንድዚ ኣፍቀራ ዶ ኣይኮነን ዝብል? (ዮሐ 3፡15-17)
1.3   በዅሪ ግብጻውያን ምቕታሉ….ዘፀ 12፡29 ነቶም ሓደ ውላድ ጥራይ ዝነበሮም ግብጻውያን ካልኣይ ቆልዓ ክሳብ ዝወልዱ ክጽበዮም ማለት ድዩ? ስለ’ዚ ቦኽሪ ዝብል ኵሉ ናይ መጀመርያ ውሉድ ብድሐሪኡ ይወለዶ ኣይወለዶ ቦኽሪ ከም ዝበሃል መጽሓፍ ቅዱስ ስለ ዘረድኣና፡ ክርስቶስ ቦኽሪ ወዳ ብምባሉ ብድሕሪኡ ተወሊዶምሉ ክኾኑ ኣለዎም ናብ ዝብል ጌጋ መደምደምታ ክንበጽሕ ኣይግባእን።

2. ክሳዕ
ክሳ ዝብል ቃል ብክልተ እዩ ዝትርጎም። ፍጻሜ ዘለዎ ክሳዕን ፍጻሜ ዘይብሉን። ኣብ’ዚ ናይ ድንግል ማርያም ክሳዕ ዝብል ንሥጋዊ ርክብ ክኸውን ከሎ ክሳዕ ፍጻሜ ዘይብሉ ክሳዕ እዩ ተባሂሉ ይትርጎም።
2.1   ቦኽሪ ወዳ ክሳዕ ትወልድ ኣይፈለጣን ብድሐሪኡ ግና ፈሊጥዋ ማለት ብሥጋ ተራኺብዋ እዩ ዝብል ጌጋ ትርጉም ድማ ንርኣዮ። መጽሓፍ ቅዱስ ”ኳኽ ማይ ምድሪ ክሳዕ ዝነጽፍ ንየው ነጀው ይመላለስ ነበረ” ይብል፡ ብድሕሪኡ ኳኽ ንየው ነጀው ምምልላስ ገዲፍዎ ማለት ድዩ? ማይ ኣይሂ ክሳዕ ዝነጽፍ ጥራይ እዩ ንየው ነጀው ኢሉ ዶ ንበል? እዚ ሕጂ ብልዕሌና ንየው ነጀው ዝብል ዘሎ ኳኽ ከ ድኣ እንታይ ክንብሎ ኢና? ዘፍ 8፡7
2.2   ሜልኮል ጓል ሳኦል ድማ ክሳ እትሞተላ መዓልቲ ውላድ ኣይነበራን 2ይ ሳሙ 6፡23ክሳ እትሞተላ መዓልቲ ውላድ ኣይነበራን ብድሐሪኡ ኸ ኣብ መቓብር ዶ ወሊዳ ትኸውን ድኣ? ነዚ ኢና ድማ እዚ ክሳዕ እዚ ፍጻሜ ዘይብሉ ክሳዕ እዩ ዝበልና። ክሳዕ መወዳእታ ውላድ ኣይነበራን ማለት እዩ።
2.3   እነሆ ክሳዕ መወዳእታ ዓለም ምሳዅም እየ” ማቴ 28፡20 እዚ ቃል እዚ ድማ ጐይታና ንሐዋርያቱ ዝተዛረቦም ቃል እዩ። እሞ ኸ ድኣ ነዚ ክሳዕ ዝብል ቃል ሒዝና ዶ ክርስቶስ ክሳዕ መወዳእታ ዓለም ጥራይ እዩ ምስኦም ዝኸውን ንበል። ብድሐሪኡ ኸ ናበይ ድኣ ኪገድፎም እዩ? ምስ መን እዮም ከ ኪኾኑ። ቅዱስ ጳውሎስ ምስኡ “ሓሳረ መከራ እንተ ተቐበልና ምስኡ ውን ክንነብር ኢና” “ንሕና ምስ ከርስቶስ እንተ ሞትና ምስኡ ድማ ብሕይወት ከም ንነብር ንኣምን ኣለና” ዝበሎ ቃል ድኣ ሓሶት ድዩ?(ሮሜ 6፡8-9፡ 8፡17) ደጊሙ ውን “…ምስኡ ሕያዋን ኴንና ክንነብር ኢና….(2ይ ቆሮ 13፡4) ኣብ ስማያት ምስ ክርስቶስ ኢየሱስ ምስኡ ኣቐመጠና…ኤፌ 2፡6-7 “….ምስኡ እንተሞትና ምስኡ ከኣ ብሕይወት ክንብር ኢና…ምስኡ ክንነግሥ ኢና..(2ይ ጢሞ 2፡11-12)…. ዝብሉ ቃላት ከ ናበይ ንብሎም? ብዛዕባ ድሕሪ መወዳእታ ዘሎ ሕይወት ናይ ቅዱሳን ክነግረና ከሎ መጽሓፍ ቅዱስ ድማ “..ገጹ ክርእዩ እዮም… ክሳዕ ዘለዓለም ክነግሡ እዮም..” ብምባል ምስ ክርስቶስ ንዘለዓለም ከም ዝነብሩ እዩ ዝገልጽ።(ራእ ዮሐ 22፡1-5_
2.4   “ጸላእትኻ መርገጺ እግርኻ ክሳዕ ትገብሮም ኣብ የማነይ ተቐመጥ በሎ” (መዝ 2፡6-9) ናይ ክርስቶስ ጸላእቱ ዝተባህሉ “ሞትን ሰይጥንን” እዮም ነዚኦም ንሰይጣን ኣብ መስቀል ቀቲሉ ብሥጋኡ ሞት ብምጥዓም ድማ ብገዛእ ሥልጣኑ ካብ ምውታን ብምትንሣእ ንሓይሊ ሞት ኣጥፊኡ ንክልቲኦም ስዒርዎም እዩ።(1ይ ቆሮ 15፡20-28) እሞ ኸ ብድሕሪ እዚ ኣብ የማን ኣቦ ኣይተቐመጠን ድዩ? ንጸላእቱ መርገጺ እግሩ ክሳዕ ዝገብሮም ማለት ክሳዕ ትንሣኤ ጥራይ ድዩ ኣብ የማን ኣቦ ተቐሚጡ? ብድሕሪኡ ኸ ኣበይ ድኣ ተቐመጠ? መጽሓፍ ቅዱስ “ምንጻህ ሓጢኣትና ምስ ገበረ ኣብ ላዕሊ ኣብ የማን ግርማ ተቐመጠ” ብምባል ክርስቶስ ካብ የማን ኣቦ ዝተፈለየሉ ዕለት ከም ዘየለ እዩ ዝነግረና።(እብ 1፡4) ደጊሙ ውን “ናብ ሰማይ ዓረገ ኣብ የማን ኣምላኽ ውን ተቐመጠ” ይብል (ማር 16፡19) “ኣብ የማን ሓይሊ ተቐሚጡ ….ኪመጽእ ክትርእይዎ ኢኹም..” ማቴ 26፡64 ብምባል ንሱ ሕጂ  ውን ኣብ የማን ኣምላኽ ከም ዘሎ ኣረጋገጸልና። ስለ’ዚ ክሳዕ ዝብል ትርጉም መወዳእታ ዘይብሉ ክሳዕ እዩ።
ንድንግል ማርያም ድማ ቦኽሪ ወዳ ክሳዕ ትወልድ ኣይፈለጣን ክብል ከሎ፡ ንሥጋዊ ርክብ እንተኾይኑ ክሳብ መወዳእታ ኣይፈለጣን ተባሂሉ ይትርጎም። ኣይፈለጣን ዝብል ትርጉም ግን ንባዕሉ ክልተ ትርጉም ዘለዎ እምበር ንሥጋዊ ርክብ ጥራይ ዘመልክት ኣይኮነን። በቲ ቀዳማይ ማለት ብሥጋዊ ርክብ በዚ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ጌርና ምስ መለስናዮ፡ ናብቲ ዝቕጽል ማለት “ቦኽሪ ወዳ ክሳዕ ትወልድ ኣይፈለጣን” ማለት እንታይ ማለት ምዃኑ ድማ ቀጺልና ንርኣዮ።
3. ኣይፈለጣን
3.1 ቅዱስ ዮሐንስ ኣፈወርቅ “እግዝእትነ ማርያም ንጐይታ ጠኒሳ ከላ ሕብሪ ገጻ ሓደ ጊዜ ከም ቀይሕ ዕምበባ ሓደ ጊዜ ከም ጻዕዳ ዕምበባ ይለዋወጥ ስለ ዝነበረ ዮሴፍ መልክዓ ፈልዩ  ኣይፈለጣን” ይብል (ቅዱስ ዮሐንስ ኣፈወርቅ ስንክሳር 12 ግንቦት ትርጓሜ ወንጌለ ማቴዎስ ገጽ 23)
3.2   3.2 ቅዱስ ኤራቅሊስ ድማ ነዞም ዝስዕቡ 5 ነገራት ክሳብ ዝርኢ ንሳ እታ ብድንግልና ንኣምላኽ ክትወልድ ምዃና ብነብያት ዝተነግረላ ድንግል ከም ዝኾነት አይፈለጣን” ብምባል ተርጕምዎ ኣሎ።(ሃይማኖተ ኣበው ዘኤራቅሊስ 49፡39)
3.2.1ኣመጻጽኣን ገጸ በረኸትን ሰብኣ ሰገል (ማቴ 2፤9-11)
3.2.2ምርኣይ ናይቲ ኮዀብ (ሉቃ 2፡8-10)
3.2.3 ናይ ጐይተትነቱ መግለጺ ዝኾነ ብርሃን ምብራህ  
3.2.4 ዝማሬ መላእኽቲ
3.2.5 ፍርሒ ጓሶት
ቅዱስ ኤራቅሊስ ኣብ ሃይማኖተ ኣበው ምዕራፍ 48 ነዚ ዘርዚሩ ከብርሆ ከሎ ከም’ዚ ይብል፡

v ስለ እቲ እሙንን ምስጉንን ዝኾነ ዮሴፍ ንዛረቦ ንፍለጥ፡ ንሱ ኣብ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ዝፍጸም ኣይፈለጠን። 48፡29
v ኣገልጋሊ ዝኾነሉ ምስጢር እንታይ ምዃኑ ኣይፈለጠን፡ ነታ ናብኡ ተሓጽያ ዘላ ድንግል፡ ካብኣ እቲ ነብያት ብዛዕብኡ ዝተዛረብሉ ኢየሱስ ክርስቶስ ብዘይ ዘርኢ ከም ዝውለድ ኣይፈለጠን። ኢሳ 7፡14 ኤራ 48፡30
v ካብ ንጹህ ዘርኢ ዝተፈጥረት ድንግል፡ ናይ እግዚኣብሔር መሕደሪ ከም ትኸውን ኣይፈለጠን። ዘልኣለም ምልዋጥ ዘይብሉ ዳግማይ ኣዳም ክርስቶስ፡ ድንግላዊት ገነት ካብ ዝኾነት እመቤትና ከም ዝርከብ ኣይፈለጠን።  ዘፍ 9፡27 መኃ 4፡12 ኤራ 48፡31
v እቲ ንኵሎም ፍጡራን ዝፈጠረ ክርስቶስ፡ ካብኣ ብዘይ ዘርኢ ከም ዝውለድ ኣይፈለጠን። ኣብ ምድርና ተራእየ ተባሂሉ ብነብያት ከም ዝተነግረሉ፡ ደጊሙ ውን ምድሪ ፍሬኣ ክትህብ እያ ተባሂሉ ከም ዝተዘርበ። ኢሳ 32፡1-2 ዮሐ 1፡4 ቆላ 1፡15-18 መኃ 2፡12 መዝ 85፡12 ኤራ 48፡32
v  ናይ ድንግል ከብዳ ሰፍሐ፡ ብዘይ ዘርኢ ዝጸነሰት ናይ ድንግል ከብዳ ምስፍሑ ዝረኣየ ናይ ዮሴፍ ልቢ ሓዘነ። ናይ ንጽሕት እመቤትና ምስጢራ ፈጺሙ መርመረ፡ ንሱ ብዘይፈለጦ ምሥጢር ጠኒሳ ምስ ረኸባ ኣብ ናይ ምድያብን ምውራድን ጽኑዕ ሓሳብ ጽኑዕ ሓሳብ ተታሕዘ። ኤራ 48፡33
v ጠኒሳ ረኸባ ብዘርኢ ዝጠነሰት መሰሎ። ካብኣ ዝውለድ ብግብሪ መንፈስ ቅዱስ’ዩ እሞ፡ ንስኻ ከም ዝጠርጠርካዮ ኣይኮነን ዮሴፍ ኣይትፍራሕ ኢሉ ካብ እግዚኣብሔር ዝተላእከ መልኣኽ ክሳብ ዝነግሮ። ኤራ 48፡34
v  ዮሴፍ ነዚ ምስ ሰምዐ ንድንግል ሰገደ። ንጽሕናኣ ድማ ኣመነ። ነቢይ ኢሳይያስ ድንግል ክትጠንስ እያ ወዲ ውን ክትወልድ እያ ስሙ ድማ ኣማኑኤል ኢላ ክትጽውዖ እያ። ትርጉሙ ድማ ኣምላኽ ምሳና እዩ ማለት እዩ ኢሉ ዝተነግረላ ንሳ ምዃና ፈለጠ። ማቴ 1፡18 ሉቃ 1፡26-39 ኢሳ 7፡14 ኤራ 48፡35

Wednesday 13 July 2016

መልሲ ንልቡሳነ ስጋ ኣጋንንት መበል 24 ክፋል


3ይ በእንተ ክርስቶስ

ኣብ 6ይ ክፋል ስብከትካ ድማ "ዋላ እኳ እቲ ቃል ሥጋ ዚኾነሉ ጀማሪ ዕለት እንተሃለዎ…. 2 ደቒቕ ብመልክዕ ኣወላልዳ ሰብ ጥንሲ ኮይኑ ተራእየ፡ ድሕሪ እዚ ድማ ከም ኣወላልዳ ኵሉ ሰብ ካብ ማርያም ህፃን ኮይኑ ካብ ማኅጸና ወጸ" ብምባል ካልእ ክሕደት ወሲኽካ ኣለኻ።

ክብርን ምስጋናን ንስሙ ይኹን ጎይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣወላልድኡ ተኣምራዊ ብዝኾነ ኣምላኻዊ ግብሪ ድኣ እምበር፡ ከም’ዚ ንስኻ ትብሎ ዘለኻ ከም ተራ ሰብ ዝተወልደ ኣይኮነን። ንኣዳም ካብ 4 ባሕርያተ ስጋን ሰለስተ ባሕርያተ ነፍስን ጌሩ ፈጢርዎ። ብድሕሪኡ ድኣ ኣየናይ ሰብ እዩ ብዘይ ዘርኢ ሰብኣይ ዝተወልደ? ብድንግልና ጸኒሳ ብድንግልና ዝወለደት ሰበይቲ’ኸ ኣበይ ተራእያን ተሰሚዓን ትፈልጥ? ነዚ ሕቶ እዚ መልሲ ካብ ዘይሃለውካ፡ ነቲ “ብመልክዕ ኣወላልዳ ሰብ ጥንሲ ኮይኑ ተራእየ፡ ድሕሪ እዚ ድማ ከም ኣወላልዳ ኵሉ ሰብ ካብ ማርያም ህፃን ኮይኑ ካብ ማኅጸና ወጸ” ዝብል ማይ ብሖቕ ፈሪሳውያንን ሰዱቓውያንን ዝመንጨወ ግጉይ ትምህርትኻ ገዲፍካ ናብ ልብኻ ኪትምለስ ይምሕጸነካ። ነዚ ክሕግዘካ ድማ እቲ ርቱዕ ዝኾነ መጽሓፍ ቅዱሳዊን ኦርቶዶክሳዊን ትምህርቲ ብዛዕባ ኣወላልዳ ጎይታና ከስዕበልካ እየ።

·        ብመጀመርያ ግን ነዛ ቀላል ትመስል ግን ከኣ ኣብ ውሽጣ ኣዝዩ ሓደገኛ ዝኾነ ክሕደት ዘለዋ “ከም ኣወላልዳ ኵሉ ሰብ ካብ ማርያም ህፃን ኮይኑ ካብ ማኅጸና ወጸ” ትብል ቃል ሓቢርና ንመርምራ።

1.ኩሉ ሰብ ብስጋዊ ርክብ ማለት ካብ ሰብኣይ ዘርኢ ካብ ሰበይቲ ድማ ደም ብምውህሃድ እዩ ዝጥነስ
2. ኩሉ ሰብ ኪጥነስ ከሎ ናይ’ታ ኣደ ድንግልና ይጠፍእ እዩ።
3. ኩሉ ሰብ ኪውለድ ከሎ፡ ኣዲኡ ብጻዕርን ብቕልውላውን እያ ትወልዶ።

ስለ’ዚ ነዛ ቃል ልቢ ኢልና ምስ ንምርምራ ብውሑዱ ሰለስተ ዓበይቲ ክሕደታት ሒዛ ኣላ። ንሳተን ድማ
1. ድንግል ማርያም ንክርስቶስ ብስጋዊ ርክብ (ብዘርኢ ሰብኣይ) እያ ወሊዳቶ
2. ብድንግልና ጠኒሳ ብድንግልና ኣይወለደቶን
3. እቲ ኣብ ጊዜ ወሊድ ዘጋጥም ጻዕርን ቅልውላውን ኔርዋ ዝብሉ ክሕደታት ዝሓዘ እዩ። እስከ መጽሓፍ ቅዱስ ከ ነዚ ኣመልኪቱ እንታይ ይብለና።

1ይ። ክርስቶስ ከም ኣወላልዳ ኩሉ ሰብ በዘርኢ ሰብኣይ ዘይኮነስ ድንግልማርያም ንጎይታ ብዘይ ዘርኢ ሰብኣይ ከም ዝወለደቶ


         ከምቲ ንስኻ ዝመስለካ ክርስቶስ ከም ኩሉ ተራ ሰብ ከም ኣወላልዳ ሰብ ኣይተወልደን። ነዚ ድማ ወንጌላዊ ማቴዎስ ““ልደት ኢየሱስ ክርስቶስ ከምዚ ኢዩ ኣዲኡ ማርያም ንዮሴፍ ተሓጽያ እንከላ ከይተራኸቡ ብመንፈስ ቅዱስ ጠኒሳ ተረኽበት” ብምባል ብዘይ ዘርኢ ሰብኣይ ብመንፈስ ቅዱስ ከም ዝጠነሰት እዩ ዝምስክር። (ማቴ 1፡18)

ሊቀ መላእክት ቅዱስ ገብርኤል መጺኡ ኪትወልዲ ኢኺ ክብላ ከሎ ውን “ማርያም ድማ ነቲ መልኣኽ እዚ ሰብኣይ ከይፈለጥኩስ ከመይ ኢሉ ይኸውን በለቶ” ብምባል ንሳ ምስ ሰብኣይ ንምርኻብ ዋላ ሓንቲ ሓሳብ ዘይብላ ድንግል ብሕልናኣን ድንግል ብስጋኣን ምዃና ምስ ነገረቶ፡ እቲ መልኣኽ ኣስዕብ ኣቢሉ “መንፈስ ቅዱስ ኪወርደኪ ሓይሊ ልዑል ውን ከጽልለልኪ እዩ ስለ’ዚ ከኣ እቲ ዝውለድ ቅዱስ ወዲ ኣምላኽ ኪብሃል እዩ” ብምባል እቲ ጥንሲ ብመንፈስ ቅዱስ ዝፍጸም ተኣምራታዊ ስራሕ እግዚአብሔር እምበር “ከም ኩሉ ሰብ” ብዘርኢ ሰብኣይ ከም ዘይኮነ ገለጸላ። ነዚ መታን ከረድኣ ኢሉ ድማ ናይ ቅድስት ኤልሳቤጥ ኣብ እርጋና ናይ ምጥናሳ ምስክር እናምጽአ ከረድኣ ፈተነ። እዚ ብሓሳባት ደቂ ሰባት ዘይብጻሕ ንሱ እቲ መልኣኽ ውን ንባዕሉ ብምልኣት ኪርድኦ ዘይክእል ድንቂ ስራሕ ኣምላኽ ስለ ዝኾነ፡ ናይ እግዚአብሔር ከሃሊነት ኣሚንካ ምቕባል ጥራይ ከም ዘድሊ ንከረድኣ ድማ “ንእግዚአብሔር ዶ ዚሰኣኖ ነገር ኣሎ እዩ?” ኢሉ መለሰላ። ብድሕርዚ እታ ትሕትና ቅድስና ተኣዛዝነትን መለለይኣ ዝኾነ ቅድስት ድንግል ማርያም “እኔኹ ኣነ ባርያ እግዚአብሔር ከም’ቲ ዘረባኻ ይኹነለይ” በለት። ካብታ ቋሕ ሰም እቲኣ ጀሚሩ ድማ መለኮት ምስ ትስብእት ብሓደ ኣካልን ሓደ ባሕርይን ተወሃሃደ (ሉቃ 1፡26-56 ዮሐ 1፡1-14)

ቀዳሞት ናይ ቤተ ክርስቲያን ሊቃውንት ነዚ ድንቂ ስራሕ እግዚእብሔር ብምስትንታን ኪገልጽዎ ከለዉ ከም’ዚ ይብሉ፥

ቅዱስ ኤራቅሊስ  ““ታኣምራት እንታይ እዩ እንተበልካ፡ ኣነ ዉን ከምዚ ክብለካ እየ ብዘይ ዘርኢ ምጥናስ እንታይ እዩ! መሕረሲት ከይሃለወት፡ ጻዕረ ወሊድ ከይተሰመዓ፡ ማህተመ ድንግልናኣ ከይተለወጠ ምውላድ’ከ እንታይ እዩ! ድንግል ኣደ ኮነት ማህተመ ድንግልናኣ ከይተለወጠ ውን ነበረት” ሃ.ኣበዉ ዘኤራቅሊስ 49፡48

ቅዱስ ጎርጎርዮስ ኦ ናይቶም ንዓኺ ዘኽብሩ ሰባት ነፍሲ ብደስታ እትመልኢ ምልእተ ጸጋ ምልእት ክብሪ ደስ ይበልኪ፡ ሓረስታይ ዘይሓረሳ ናይ ሕይወት ፍሬ ዝተረኽበላ ንጽሕቲ ሕርሻ ንስኺ ኢኺ’ሞ ደስ ይበልኪ፡ ቃለ እግዚአብሔር ካብ ቅዱስ ማሕጸንኪ ሥጋ ወሲዱ ዳግማዊ ኣዳም ኮነ፡ ንዕኡ ንምጽናስ ውን መንፈስ ቅዱስ ኣጽንዓኪ፡ ናይ ልዑል ሓይሊ ውን ከለለኪ (ጋረደኪ) ብምባል ቅዱስ ጎርጎርዮስ ኣመስጊንዋ (ድርሳነ ጎርጎርዮስ ክፍሊ 2)

ቅዱስ ኤፍሬም ሶርያዊ ድማ ብዘይ ዘርኢ ንኣምላኽ ዝወለደት ድንግል፡ ናይ ማህጸና ስራሕ ክንደይ የደንቕ፡ ንዮሴፍ ዝተራእዮ መልኣኽ፡ ካብኣ ብመንፈስ ቅዱስ ዝኸውን ናይ እግዚኣብሔር ቃል እዩ ኢሉ መስኪርሉ መስኪርሉ" (ውዳ.ማር ዘሐሙስ) ደጊሙ ውን ዘርኢ ዘይተዘርኣ ግራት ንስኺ ኢኺ ናይ ሕይወት ፍሬ ካባኺ ወጽአ (ውዳ ማር ዘሰሉስ)

ኣብ’ዚ ናይ ቅዱስ ኤፍሬም ቃል ምስ ነስተውዕል፡ ድንግል ማርያም ነታ ናይ መጀመርያ ምድሪ እያ ትመስል። ናይ መጀመርያ ምድሪ ሓረስታይ ከይሓረሰላ፡ ዘርኢ ከይተዘርኣ እግዚእበሔር ብቃሉ ጥራይ ኣዝርእቲ ይብቆሉ ምስ በለ ሰለስተ ዓይነት ማለት ኣዝርእትን ኣትክልትን ኣግራብን ኣውጽአት። እዛ ካልእይቲ ምድሪ ድንግል ማርያም ድማ ከምኣ ብዘይ ዘርኢ ሰብኣይ ብቃል ናይ ቅዱስ ገብርኤል ጥራይ ንኣካላዊ ቃል ጠኒሳ ብስጋ ወለደቶ።

(ቅዱስ ኣምብሮስ) "ናብ ናይ ማንም ሰብ ኣካል ከይበጽሐት ካብ ዝጸነሰት ካብኣ ንላዕሊ እንታይ ንጽሕና ኣሎ?" ኪብል ገሊጽዎ ኣሎ። (ቅዱስ ኣምብሮስ 330-397)

ኣባ ጂሮም "ካብ ጉንዲ እሴይ ከኣ ሓደ ጠጥዒ ክጭብጭብ ኢዩ፡ ሓደ ጨንፈር ውን ካብ ሱሩ ፍረ ኽፈሪ ኢዩ። እታ በትሪ ኣደ ጎይታ ንጽሕት ፈጺማ ዘይረኸሰት ብዘይ ጾታዊ ርክብ ንበይና ከም እግዚኣብሔር ኣቦ ፍረ ዝፈረየት (ንሱ ብዘይ ኣደ ከም ዝወለድ ንሳ ድማ ብዘይ ኣቦ ከም ዝወለደቶ),,,,ኣብ ቅድሚ ዝተባረኸት ማርያም  ኣዝዩ ዓቢ ዝኾን ንጽሕናኣ ኣደ ጎይታ ንኽትከውን ገበራ,,,,,፣ ንጽሕናኣ ኣዝዩ ዓቢ ነበረ ብምኻኑ ድማ ኣደ ጎይታ ንምኻን ተሓጽየት ካልኦት ብርግጽ ካብታ ኣደ ጎይታ ዝኾነት ድንግል ማርያም ብቕድስናኦም ማዕር ኽንደይ ኣዝዮም ይንእሱ ይኾኑ? (ቅዱስ ጂሮም 347-420)

ኣባ ሕርያቆስ “ፅንስ እንበለ ሩካቤ ከመ ንህብ ዘእምቃል ንባብ “ ንህቢ ድምጺ ሹሙ ሰሚዓ ብእኡ ከምትጠንስ ብዘይ ዘርኢ ንጐይታ ምፅናሳ ኣንክሮ ይግባእ” መተርጉማን ነዚ ከብርህዎ ከለዉ “ንህቢ ካብ ሽሙ ድምጺ ሰሚዑ ስፈ ሓሰኻ ሰፍዩ ይሓድር እዩ’ሞ “ከመ ንህብ” በለ “ወተአነዝር እግዝእቶን ለአንህብት” ከም ዝብል (ትርጉም ውዳሴ ማርያም ቅዳሴ ማርያም ገጽ 309)

ኣባ ቅዱስ ጊዮርጊስ ዘጋስጫ ድማ “ብዘይ ዘርኢ ብዘይ ሩካቤ ንኢየሱስ ክርስቶስ ጠነስኪዮ” (ኣር.ዘሰኑይ ገጽ48፤15)፠፠፨

ናይ ድንግልናኺ ሓይሊ ዝጸርፍ ብዘይ ዘርኢ ብዘይ ሩካቤ ጸኒስኪ ብዘይ ዘርኢ ብዘይ ሩካቤ ከም ዝወለድኪ ዘይ ኣምን ርጉም ይኹን” ብምባል ድንግል ማርያም ብዘርኢ ወሊዳ ወይ ክርስቶስ ብዘርኢ ሰብኣይ ተወሊዱ ምባል መርገም ከም ዘምጽእ ይምህሩና። (ኣር.ዘሠሉ ገጽ 121፡8)



2ይ። ክርስቶስ ከም ማንም ሰብ ዘይኮነስ ብኣምላኻዊ ጥበብ ብድንግልና ተጸኒሱ ብድንግልና እዩ ተወሊዱ 

ቅዱስ መጽሓፍ ቅድስት ድንግል ማርያም ቅድመ ጸኒስ ጊዜ ጸኒሰ ድሕረ ጸኒስ ቅድመ ወሊድ ጊዜ ወሊደ ድሕረ ወሊድ ድንግል ከም ዝኾነት እዩ ዝነግረና።

vነቢይ ኢሳይያስ  “ድንግል ክትጠንስ እያ ወዲ ዉን ክትወልድ እያ ስሙ ድማ ኣማኑኤል ኢላ ክትጽዉዖ እያ”( ኢሰ 7፡14) ኣብ’ዚ ብግልጺ ከም ንዕዘቦ ኢሳይያስ “ድንግል ኪትጸንስ እያ” ድኣ እዩ ዝበለ እምበር ሰበይቲ ኪትጠንስ እያ ኣይበለን። ስለ’ዚ ድንግል ብድንግልና ጠኒሳ ከም ትወልድ እዚ ናይ ነብያት ቃል እዩ።

v ንጉስ ሰለሞን  “ኣቲ ሓብተይ መርዓተይ ዝተሽጎረ ገነት ዕጽዊ ዔላ ሕቱም ማይ ዓይኒ ኢኺ” (መሃ 4፡12)

እዛ ሰለሞን ሓፍተይ ዝበላ እዛ ካብ ወገን ናቱ ዝኾነት ድንግል ማርያም እያ። ከም’ቲ መርዓት ዝያዳ ኣብ ጊዜ ምርዓኣ ትኸብር ድንግል ማርያም ድማ ክብርቲ ምዃና ንምግላጽ “መርዓተይ” ይብላ። ቀጺሉ ዘሎ ቃል ምስ ንምልከት ኣዝዩ ዘገርም ቃል እዩ። ምኽንያቱ ሕቱም ማይ ዓይኒ ዝበሃል የለን።  ማይ ዓይኒ ማለት ጃርጃር ዝብል ፈልፋሊ ማይ ማለት እዩ። ፈልፋሊ እንተኾይኑ ድኣ ከመይ ኢሉ ሕቱም ይኸውን? ሕቱም እንተኾይኑ ኸ ከመይ ኢሉ ፈልፋሊ ማይ ዓይኒ ይኸውን? እዚ ምስጢር ዝሓዘለ ቃል እዚ ንክርስቶስን ድንግል ማርያምን ዝተነግረ ቃል እዩ። እቲ ማይ ክርስቶስ ኪኸውን ከሎ እታ ማይ ዝፍልፍለላ ዕጽውቲ ዒላ ድማ ድንግለል ማርያም እያ።

እታ ዒላ ብዕጽውታ ማይ ከም ዘፈልፈለት፡ ድንግል ማርያም ድማ ነቲ ማይ ሕይወት ኣነ እየ ዝበለና ጎይታ ብዕጽውታ (ብድንግልና) ወሊዳቶ እያ። ከምቲ እታ ዒላ ሕትምትን ፈልፋሊትን ዝኾነት ድንግል ማርያም ድማ ኣዳን ድንግልን ኮይና እያ። ሓንቲ ሰበይቲ ኣደ እንትኾይና ድንግል ኣይትብሃልን፡ ድንግል እንተኾይና ድማ ኣደ ኪትከውን ኣይትኽእልን እያ። ድንግል ማርያም ግን ነዚ ክልቲኡ ኣማሊኣ ዝተረኽበት እንኮ ኣደ እያ። ገራህተ ኣብርሃም እናበልና ንጽውዓ ድማ በዚ ምኽንያት እዩ።

vነቢይ  ሕዝቄል “ብድሕሪ እዚ ናብ መገዲ እታ ናብ ምብራቕ እተርኢ መዉጽኢት ደገ መቕደስ ወሰደኒ ዕጽዉቲ ከኣ እያ። እግዚኣብሄር ድማ በለኒ እዛ ደገ እዚኣ ዕጽዉቲ ትኹን ኣይትከፈት ሰብ ዉን ኣይእተዋ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ኣትይላ እዩ እሞ ስለዚ ብዕጽዉታ ትንበር”(ህዝ 44፡1-3)

እዛ መቕደስ እዚኣ ድንግል ማርያም እንተዘይኮይና መን ኪትከውን ትኽእል? እስኪ ሰብ ዘይእትወላ ቤተ መቕደስ ኣበይ ተራእያ ትፈልጥ? ሰብ ዘይኣትዋ ኸ ንምንታይ ኪትከውን ተሰሪሓ? ስለ’ዚ እዚ ቃል እዚ ብምስጢራዊ ትርጉሙ ንድንግል ማርያም ዝወሃብ እምበር ብዛዕባ ህንጻ ቤት መቕደስ ዝተዘርበ ኣይኮነን።

 ናብ ምብራቕ ገጻ እተርኢ ማለቱ ካብ ምብራቕ ጸሓይ ከም ትወጽእ ካብ’ዛ ምብራቓዊት ኣፍ ደገ ዝኾነት ቅድስት ድንግል ማርያም ድማ ጸሓየ ጽድቂ ኢየሱስ ክርስቶስ ተወሊዱ እዩ(ሚል 4፡2 ራእ 12፡1-3)። ብዕጽውታ ኣትዩ ብዕጽውታ ወጺኡ ማለት ድማ ብድንግልና ተጸኒሱ ብድንግልና ከም ዝተወለደ ዘረጋግጽ ቃል እዩ። ብድሕሪ ንዕኡ ምውላዳ ውን ዘለዓለማዊት ድንግል ከረጋግጽ ድማ ንዘለዓለም ኣይትከፈት ሰብ ውን ኣይእተዋ ብምባል፡ ኣብቲ መለኮት ዝተቐመጦ ዙፋን፡ ዕሩቅ ብእሲ ኪቕመጥ ከም ዘይክእል ኣስመረሉ።


 ዘለዓለማዊ ድንግልና ብቀዳሞት ሊቃውንት

ቅዱስ ኤፍሬም "ነቢይ ህዝቅኤል ብወገን ምብራቕ ብዘደንቕ ዓቢይ መፍትሕ ዝተዓጽወት ኣፍ ደገ ረኣኹ እናበለ ብዛዕባኣ መስከረ ብዘይካ እቲ ናይ ሓያላን ጐይታ ናብኣ ዝኣተወን ናብ ውሽጣ ኣትዩ ዝወጽአ የልቦን ውዳ.ማር.ዘረ 7

እታ ኣፍ ደገ ሰማይ ዝተባህለት ድንግል ንመድኃኒና ዝወለደትልና ኢያ። ንዕኡ ድሕሪ ምውላዳ ውን ከም ቀደማ ብድንግልና ነበረት ውዳ.ማር.ዘረ 8

ካብ 330-389 . ቅዱስ ጎርጎርዮስ ዘአንዚናዙ “ነቲ ማንም ባህሪኡ ክፈልጦ ዘይክእል ወለደቶ፡ ማህተመ ድንግልናኣ ውን ኣይተለወጠን” (ሃ.ኣበዎ ዘጎርጎርዮስ ዘእንዚናንዙ 60፡14-15)

ቅዱስ ፕራክልዮስ ወይ ኤራቅሊስ 426 .  “ታኣምራት እንታይ እዩ እንተበልካ፡ ኣነ ዉን ከምዚ ክብለካ እየ ብዘይ ዘርኢ ምጥናስ እንታይ እዩ! መሕረሲት ከይሃለወት፡ ጻዕረ ወሊድ ከይተሰመዓ፡ ማህተመ ድንግልናኣ ከይተለወጠ ምውላድ’ከ እንታይ እዩ! ድንግል ኣደ ኮነት ማህተመ ድንግልናኣ ከይተለወጠ ውን ነበረት” ሃ.ኣበዉ ዘኤራቅሊስ 49፡48

ቅዱስ ቴዎዶጦስ “እግዚኣብሔር ካብ ቅድስት ድንግል ማርያም ተወሊዱ ተራእየ፡ ድንግል ውን ከም ቀደማ ብድንግልናኣ  ጸኒዓ ነበረት፡ ኣደ ድማ ተባህለት” ሃ.ኣበዉ ዘቴዎዶጦስ 53፡3

3ይ። ክርስቶስ ከም ማንም ሰብ ካብ ተራ ሰበይቲ ዘይኮነስ ብፍሉይ መገዲ ብዘይ ጻዕሪ ዝተወልደ ኣምላኽ እዩ። 


ነቢይ እግዚአብሔር ኢሳይያስ “ቅልውላው ከይሓዛ ወለደት ከይተጻዕረት ከኣ ወዲ ወለደት” ብምባል መስኪሩላ ኣሎ። ቀዳሞት ናይ ቤተ ክርስቲያን  ሊቃውንት ድማ ነዚ ኣመልኪቶም ከም’ዚ ይብሉና፥

ቅዱስ ኤራቅሊስ  “ታኣምራት እንታይ እዩ እንተበልካ፡ ኣነ ዉን ከምዚ ክብለካ እየ ብዘይ ዘርኢ ምጥናስ እንታይ እዩ! መሕረሲት ከይሃለወት፡ ጻዕረ ወሊድ ከይተሰመዓ፡ ማህተመ ድንግልናኣ ከይተለወጠ ምውላድ’ከ እንታይ እዩ! ” ሃ.ኣበዉ ዘኤራቅሊስ 49፡48

ቅዱስ ኣትናቴዎስ “ድንግል ሰብኣይ ከይፈለጠት፡ ክወሃዳ ብዝፈጠሮ ስጋ ዝጠነሰቶ ወለደት ብዘይ ሓጢኣት ብዘይ ዘርኢ ወለደቶ ናይ ሓራስነት ግብሪ ኣይረኸባን ብዘይ ድኻምን  ምትካትን  የዕበየቶ ብዘይ ድኻም ኣጥበወቶ ንስጋ ብዝግባእ ሕጊ እንታይ ከብልዖ እንታይ ከልብሶ ከይበለት የዕበየቶ” ሃ.ኣበዉ ዘኣትናቴዎስ ምዕ 28፡19

ቅዱስ ቴዎዶጦስ "ኣባኺ ናይ መከራ ጽንስን ወይ ሕማመ ወሊድ ኣይእውጅን" ቅዱስ ቴዎዶጦስ (303ዓም)

ጎርጎርዮስ ዘእንዚናንዙ "ናይ ድንግል ማርያም ንጎይታ ምጥናሳን ምዉላዳን ምስ ናይ ካልኦት ኣንስቲ ኣይተመሳስልዎ። ብዛዕባ ድንግል ማርያም ከምዚ ክንነግር ኣይግባእን እዩ። ናይ እግዚኣብሄር ቃል ብዘይ ዘርኢ ጠኒሳ ከይተጻዕረት ወለደቶ። እቲ ኣብ ግዜ ወሊድ ዘጋጥም ጻዕርን ሕማምን ፈጺሙ ኣይረኸባን። ናይ ኣምላኽ ስራሕ ስለ ዝኾነ ምጥናሳ ኣዝዩ ዘደንቕ እዩ። ናይ ምዉላዳ ምስጢር ሓይሊ ዉን ኣይምርመርን እዩ። ነቲ ማንም ባህሪኡ ክፈልጦ ዘይክእል ወለደቶ፡ ማህተመ ድንግልናኣ ዉን ኣይተለወጠን" ሃ.ኣበዎ ዘጎርጎርዮስ ዘእንዚናንዙ 60፡14-15

ቅዱስ ኤፍሬም "እምኅባ አብ ወጽአ ቃል ዘእንበለ ድካም ወእምድንግል ተወልደ ዘእንበለ ሕማም" ትርጉም “ካብ ኣቦ ብዘይ ድኻም መጽአ፡ ካብ ድንግል ብዘይ ሕማም ተወልደ” ውዳ.ማር ዘሐሙስ

ቅዱስ ጊዮርጊስ ዘጋስጫ ሕጂ ውን ከምዚ እናበልና ንቅድስት ድንግል ነመስግና ነድንቃ ኦ ኵሉ ጊዜ ንጽሕት፡ ኣብ ዝኾነ ሰዓት ኣደፍ ጉድፍ ዘይብልኪ ኣብ ጊዜ ፅንሲ ይኹን ኣብ ጊዜ ወሊድ (ምሕራስኪ) ዝረሳሕክሉን ዝረኸስክሉን ሰዓት የለን። ኣርጋኖን. ዘረ 213፡9


እቲ ኣብዛ ምድሪ ብዙሕ ናይ ስሕተት ትምህርቲ ዝዘርአ  ኣብ 1483-1546 ዝነበረ ናይ ፕሮቴስታንት መሥራቲ ማርቲን ሉተር ውን እንተ ኾነ ነዚ ሓቂ እዚ ኣይቀበሮን፡ ብኣንጻሩ እኳ ድኣ ከም'ዚ ዚስዕብ እናበለ እዩ ዚመስከረ፥ "ማርያም ናይ ብሓቂ ኣዲኡ ኢያ ንሱ ውን ናይ ብሓቂ ወዳ ኢዩ፡ ስለ’ዚ ሰብነታ ንባህሪኡ ዝሰማማዕ ናይ ኣደነት ተራኡ ተዋጺኡ ኢዩ። እንተ ኾነ ግን ክትወልዶ እንከላ ብዘይ ኃጢኣት ስለ ዝኾነ ክትወልዶ እንከላ ውን ብዘይ ጻዕሪ ብዘይ ሕማም ብዘይ ምፍታሕ ማህጸን ኢዩ። እግዚአብሔር “ብጻዕርን ቅልውላውን” ክትወልዲ ኢኺ ኢሉ ዝተዛረቦ መርገም ንዓኣ ኣይተንከፋን (ዘፍ 3፡17) ብምባል ብግልጺ ምሂሩን ጽሒፉን ኔሩ (Sermon on the Day of the Conception of Mary, Mother of God, 1527)፡፡