bieteelyas.blogspot.com ቤተ ኤልያስ

Tuesday 31 January 2017

ትርጕም ሓንቲ ቓል 7



“ንሱ ግና ብፁዓንሲ እቶም ንቓል ኣምላኽ ዝሰምዑዎን ዝሕልዉዎን ደኣ እዮም በላ” /ሉቃ 11፡28/።
“ኢየሱስ እዚ ኽዛረብ ከሎ ሓንቲ ሰበይቲ ካብቶም ሕዝቢ ድምፃ ዓው ኣቢላ ‘ዝፆረትካ ኸርሥን ዝጠቦኻየን ኣጥባትን ብፁዓት እየን” በለቶ /ሉቃ11፤27/። “ንሱ ግና ብፁዓንሲ እቶም ንቓል ኣምላኽ ዝሰምዑዎን ዝሕልዉዎን ደኣ እዮም በላ” /ሉቃ 11፡28/። እዚ ቓል እዚ ምስቲ ኣብ ላዕሊ ዚረኣናዮ ዚተኃኃዝ ተመሳሳሊ ትርጕም ዘለዎ ቓል እዩ። ብዙኃት ቅኑዕ ትርጕም ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሰኣን ምፍላጥ ዚጠፍኡ ኣኅዋትና ግና፡ ነዚ ቓል እዚ ብኻልእ መንፈስ ተቓንዮም ጠዋይ ትርጕም ብምሃብ ንርእሲኦም ስሒቶም ንሰባት ከስሕትሉ ካብ ዚጅምሩ ዘመናት ኣቚጺሩ ኣሎ። በዚ ግሩም ቃል እዚ ኣብ ክንዲ ዚባረኹ ንተዋሕዶ ሃይማኖት ዘዳኸሙ መሲልዎም ነብሶም ኣዳኺሞም፡ ንቕድስት ድንግል ማርያም ወላዲተ ኣምላኽ ዘሕሰሩ መሲልዎም ንነብሶም ኣሕሲሮም፡ ንኣኣ ኼቃልሉ ንፈጣሪኦምውን ምቅላል ተገደዱ።

 ምስጋና ንፈጣሪ ደኣ እምበር ንፍጡር ኣይወሃብን እዩ፡ ንስኻትኩም ግና ንማርያም ተመስግኑ እናበሉ ተቓውሞኦም ኣስምዑ፡ ንኣምላኽ ኬመስግኑ ግና ርኢናዮም ኣይንፈልጥን፡ ስግደት ንኣምላኽ ጥራይ እዩ ዝግባእ ንስኻትኩም ግና ንቕዱሳን ትሰግዱ እናበሉውን ንብርክናን ንጉልበትናን ዚደንገጹልና ኺመስሉ ክብሪ ዘኽልእ ቃል ይዛረቡ፡ እንተ ኾነ ግና ንኣምላኽ ኪሰግዱ ዋላ ሓንቲ መዓልቲ እኳ ኣይረኣናዮምን፡ ኣብ ኣዳራሽ ኪዘሉን ከንከባልሉን እንተ ዘይኮይኑ ስግደት ዝበሃል ኣይፈልጡዎን እዮም፡ መንፈስ ቅዱስ ድማ ንዝወደቑ ደኣ የተንሥእ እምበር መንፈስ ቅዱስ ተመሊአ እናበልካ ምውዳቕ ጸረ መጽሓፍ ቅዱስ እዩ።

 ሕዝቅኤል “መንፈስ እግዚአብሔር መልኣኒ ብእግረይ ደው ኣበለኒ” ብምባል መንፈስ እግዚአብሔር ደው ከም ዘብል ደኣ እምበር ከም ዘየውድቕ ኣረድአ። ኣብ ወንጌል ማቴዎስ ውን ከምዚ ዝብል ዜደንቕ ቃል ንረክብ “ጐይታይ ንወደይ መሓረለይ፡ በብወርኂ ዜውድቕ ሕማም ይለዓሎ፡ ኣዝዩ ይሳቐ፡ ብዙኅ ጊዜ ኣብ ሓዊ፡ ብዙኅ ጊዜውን ኣብ ማይ ይወድቕ..” /ማቴ 17፡14-17/። በሉ ረኣይዎ እቲ ብዙኅ ጊዜ ኣብ ኣዳራሽ ዜውድቐኩም ዘሎ መንፈስ እዚ እዩ። ኦ! ጐይታ ነዞም ብዙኅ ጊዜ ኣብ ኣዳራሽ ዝወድቁ ምስ መንደቕን ወንበራትን ዝላግዑ፡ ርኹስ መንፈስ ተሰኪሙ ኣብ ርእሲ ርእሲ ጨራሪሑ ዝድርብዮም ዘሎ፤ ብዙኅ ጊዜ ሳዕሪ ዘብልዖም.. መሓረልና። ጐይታና ነቲ ጋኔን ምስ ገንሖ ግና እቲ ቘልዓ ሓወየ ብድኅሪኡ ቀኒዕካ ምቛም እምበር ውድቀት የልቦን፡ ውዱቕ መንፈስ የውድቕ፡ ቅዱስ መንፈስ ከኣ የተንሥእ።

 


 ምስጋናን ዝማሬን ንኣምላኽ ጥራይ እዩ ክብሉ ይስምዑ፡ ኪደርፉ እንተ ዘይኮይኑ ግና ሓንቲ መዓልቲ ክዝምሩ ርኢና ኣይንፈልጥን፡ “ኢየሱስ ዓርከይ” ዝብል ደርፊ ብናይ ጓይላ መሣርሒ ሙዚቃታት ተሰንዩ፡ ነቲ ናይ ጓይላ ወልፊ ዘለዎ ሕዝብና ብቐሊሉ ምምራኽ ከም ዝኽእል ሰይጣን ኣንዳዕዲዑ ይፈልጦ እዩ። ስለዚ መተዓሻሸዊ ዝኸውን ግጥሚ ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ዜማ ካብ ናይ ደረፍቲ፡ እናሓዋወሰ ልቦም ጠዋውዩ ባሮት ንኽገብሮም ጊዜ ኣይወሰደሉን። እምበር ንቕዱሳን ምምስጋንሲ ናይ ቅዱሳን ግብሪ እዩ። 

 ምናልባት ነዚ ንኽዝርዝር ካብ ኣርእስተይ ዝወፃኹ ኣይምሰልኩም። ነዚ ዅሉ ዘምጽእ ዘለኹ ኸ ንምንታይ እየ? ምኽንያቱ መናፍቓን ነዛ ““ንሱ ግና ብፁዓንሲ እቶም ንቓል ኣምላኽ ዝሰምዑዎን ዝሕልዉዎን ደኣ እዮም በላ” /ሉቃ 11፡28/። ትብል ቃል መበገሲ ብምግባር፦

1. ድንግል ማርያም ብፅዕቲ ኣይኮነትን ይብሉ /ላቲ ስብሐት/
2. ንቕዱሳን መዝሙርን ምስጋን ኣይፍቀድን ስለ ዝብሉ እየ።

እስከ መጽሓፍ ቅዱስ ንገንጽል እሞ ዜስተውዕል ልቦና እንተ ሂብዎምሲ ቅኑዕ ትምህርቲ ብምሃብ ንሓግዞም። ብመጀመርታ ኣብዛ ጐይታ ዚተዛረባ ቓል ብኣስተንትኖ እንተ ርኢናያ፡ ጐይታና “ኣደይ ወላዲተይ ብፅዕቲ እያ” ዝብል ቃል ከም ዚተዛረበ ኪንርዳእ ኢና። ቅድሚኡ ግና ነዚ ዝስዕብ ናይ ምስጋና ቃል ብህዱእ መንፈስ ንመርምሮ፦

እነሆ ኻብ ሕጂ ዅሎም ወለዶ ብፅዕቲ ኺብሉኒ እዮም/ሉቃ 1፤49/
ነዚ ቓል እዚ ዚተዛረበቶ ወለዳዲተ ኣምላኽ ቅድስተ ቅዱሳን ንጽሕተ ንጹሐን ኣደ ብርሃን ዝኾነት እመቤትና ቅድስት ድንግል ማርያም እያ። ስለ ምንታይ እዮም ግና ዅሎም ወለዶ “ብፅዕቲ” ዝብልዋ? ብርግጽከ ዅሎም ወለዶ ብፅዕቲ ይብልዋ ኣለዉዶ? እቶም ብፅዕቲ ዝብልዋ ዝረኽብዎ ጥቕሚ ኣሎዶ? ወይስ ብፅዕቲ እንተ ተባሂላ እቲ ጥቕሚ ንኣኣ እዩ? እቶም ብፅዕቲ ዘይብልዋኸ ዝረኽቦም መርገም ኣሎዶ? ዝብሉ መሠረታውያን ሕቶታት ክለዓሉ ግድን እዩ። ምኽንያቱ ክርስትና ካብ መርገም ርሒቕካ ናብ መርኸት ምቅድዳም ስለ ዝኾነ። ነዚ ንምግባር ድማ ኣቐዲምካ መርገም እንታይ እዩ? በረኸትከ እንታይ እዩ? ብኸመይ ርጉም ትኸውን? ብኸመይከ ብሩኽ ትኸውን ዝብሉ ሕቶታት ምምላስ ኣገዳሲ እዩ።

ድንግል ማርያም ብፅዕቲ ድያ?

 ብርግጽ እምበር! ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ብፅዕቲ እያ። ጐይታና ነዚ ኣመልኪቱ ከምዚ ይብል “ብፁዓንሲ እቶም ንቓል ኣምላኽ ሰሚዖም ዚትግብርዎ ዅሎም ኢዮም” /ሉቃ 11፡27/። ሓደ ሓደ መናፍቓን ነዚ ጥቕሲ እዚ መበገሲ ብምግባር ድንግል ማርያም ብፅዕቲ ኣይኮነትን ይብሉ እዮም። ምኽንያቱ ቅድሚኡ ዘሎ ቃል ምስ ንምልከት “ሓንቲ ሰበይቲ ካብቶም ሕዝቢ ድምፃ ዓው ኣቢላ ‘ዝፆረትካ ኸርሥን ዝጦበኻየን ኣትባጥን ብፁዓት እየን’ በለቶ እዩ ዝብል። ጐይታና ድማ “ብፁዓንሲ እቶም ንቓል ኣምላኽ ዝሰምዕዎን ዚሕልውዎን እዮም” በላ። እዚ ግና ብሓቂ ልቦናኦም ደኣ ተደፊኑ እምበር፡ ከም ድንግል ማርያም ገይሩ ንቓሉ ዚሰምዐን ዚፈጸመን እሞ መን ኣሎ? እስከ ሕሰብዎ ሰበይቲ ብዘይ ዘርኢ ሰብኣይ ኪትወልዲ ኢኺ ተባሂላ ከመይ ገይራ ኪትኣምን ትኽእል። ይትረፍዶ ብዘይ ዘርኢ ሰብኣይ፡ ሳራ ኣብ እርጋና ካብ ሰብኣይ ኪትወልድ ምዃና ተነጊርዋ ከም ዝሰሓቐት ንፈልጥ ኢና። ነዚ ናይ በዓል ሳራ፡ ርብቃ፡ ሐና እመ ሳሙኤልን ካልኦት መኻናት ነይረን ኣብ እርጋነን ዚወለዳን ታሪኽ ጽቡቕ ጌሩ ዚፈልጥ፡ ብዛዕባኡ ኪምህርን ኪትርጉምን ዝውዕል ካህን ዘካርያስውን፡ ቅዱስ ገብርኤል መጺኡ ሰበይትኻ ኤልሳቤጥ ወዲ ኽትወልድ እያ ምስ በሎ ስለ ዘይኣመነ፡ ዮሐንስ ክሳዕ ዝውለድ ዓባስ ከም ዝኾነ ወንጌል ይነግረና። ድንግል ማርያም ግና “እነሆ ኣነ ባርያ እግዚአብሔር እየ፡ ከምቲ ዚበልካኒ ቃልካ ይዅነለይ” ብምባል ነቲ ንምእማኑ ዘሸግር ቃል ብዓቢይ ትሕትና ተቐበለቶ።

 ስለዚ ጐይታና “ንቓል ኣምላኽ ዝሰምዕዎን ዚሕልውዎን እዮም”  ካብ በለ፡ ነዚ ድማ እመቤትና ብዝግባእ ካብ ፈጸመቶ፡ ጐይታና “እታ ንቓል ኣም ላኽ ሰሚዓ ዚኃለወቶ ወላዲተይ ብፅዕቲ እያ” ማለቱ እዩ። በዚ ድማ ነታ ዘይግብኣ ውዳሴ ደልያ ዝመጸት ሰበይቲ ዝግሥፅን ናይ ድንግል ማርያም ብፅዕና ድማ ዚገልጽን ሓደ ቓል ተጠቕመ። ብባህሎም ንዝውድሰካ መሊስካ ኢኻ ትውድሶ። ንሳ ድማ ነዲኡ ብፅዕቲ ክብላ እሞ ንኣይ ድማ ከመስግነኒ እዩ፡ ብፅዕቲ ክብለኒ እዩ ኢላ ብምሕሳብ እያ ዝመጸት። ናይ ልብና ሓሳባት ዝፈልጥ ጐይታ ግና፡ ነታ ናይ ብፅዕና ሥራሕ ከይሠርሐት ብፅዕቲ ኪትበሃል ዚደለየት ሰበይቲ ዚግሥፅን ክብሪ ናይቶም ንቓል ኣምላኽ ሰሚዖም ዚትግብሩ ዚገልጽን ሓደ ቃል ብምምጻእ “ብፁዓን’ሲ እቶም ንቓል ኣምላኽ ዝሰምዕዎን ዚሕልውዎን እዮም” በላ። ኣብ ካልእ ቦታ ውን “ኄር ሕያዋይ መምህር እናበለ ዚመጾ ሰብ፡ “ብዘይካ ሓደ ኣምላኽ ኄር የለን” ብምባል መሊስሉ እዩ። እዚ ማለት ከ ክርስቶስ ኣምላኽ ኣይኮነን ማለት ድዩ? ወይስ ኄር (ሕያዋይ) ኣይኮነን ማለት ድዩ? ከምዚ ዓይነት ሓሳባት ካባና የርሕቆ። ንሱ ንስሙ ክብሪ ይኹኖ ናይ ኣማልኽቲ ኣምላኽ እዩ (ዮሐ 1፡1-14 ሮሜ 9፡5 1ይ ዮሐ 5፡20) ንሱ ኄር ሕያዋይ ጓሳ እዩ (ዮሐ 10፡11 ሉቃ 10፡33-37) ትርጓሜኡ ግና ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዚረኣናዮ እዩ።

 ስለዚ ንሕና ብርግጽ ጐይታና ““ብፁዓን’ሲ እቶም ንቓል ኣምላኽ ዝሰምዕዎን ዚሕልውዎን እዮም” ብምባል ብፅዕና ናይ ኣዲኡ ገለጸ ንብል። ነዚ ድማ እያ ኤልሳቤጥ “እቲ ካብ እግዚአብሔር ዚተነግረኪ ቃል ከም ዚፍጸም ስለ ዝኣመንኪ ብፅዕቲ ኢኺ” ዝበለታ /ሉቃ 1፡45/። ኣስተውዕል ሕጂውን ኣብ ኤልሳቤጥ ኮይኑ ዚዛረብ ዘሎ ባዕሉ እግዚአብሔር መንፈስ ቅዱስ እዩ። እቲ ቓል ከምዚ እዩ ዝብል “ንኤልሳቤጥ ድማ መንፈስ ቅዱስ መልኣ” /ሉቃ 1፤41/። ባዕላ እታ ሕያወይቲ ኣዴና ፈቃር እመቤትና ቅድስት ድንግል ማርያምውን ብመንፈስ ቅዱስ ተመሊኣ እያ “ካብ ሕጂ ዅሎም ወለዶ ብፅዕቲ ኺብሉኒ እዮም” ዝበለት....

“ኣንቲ ጓለይ እዚኣሲ ዘማሪት ድያ ወይስ ኣዝማሪት 4ይ ክፋል”

4ይ ክፋል
 ናይ ኣቦና ቓል ነቲ ኣብ ቀረባ ዚነበረ ልበይ ሰባቢሩ ናብ መኣዲ ቕድስና ክስሕበኒ ጊዜ ኣይወሰደሉን። ብቐደሙውን ከምዚ ገይሩ ኮፍ ኣቢሉ ሰኣን ዘረደኣኒ እምበር ልበይ ደኣ እኮ ንእግዚአብሔር ናፊቑ ካብ ዝነቅል ነዊኅ እዩ ገይሩ። ሽዑ ኣነ “ኣቦና ዓባየይ ብሕይወት እንከላ ብኣይ ሕጕስቲ ምእንቲ ኽትከውን፡ መወዳእታ ሕይወተይ ድማ ምእንቲ ክጽብቐለይሲ ብሓፈሻ “ሓንቲ ዘማሪት ጓል ኣንስተይቲ ኽትገብሮም ዝግብኣን ዘይግብኣን ነገራት ኣብርህ ኣቢልኩም ንገሩኒ” ምስ በልክዎም  ዓበየይ ደስ እናበላ፡ “ሔዋን ጓለይ ብርኽቲ ዅኒ እዛ ጓለይ እግዚአብሔር ይባርኽኪ ፡ ኣነ ኣዴኺ ካብ ቀደም ከም እትፈልጥኒ ሕጊ እግዚአብሔር ንደቅኻ ከም ምንጋር ገይሩ ዘሐጕሰኒ የብለይን፡ ሕጂ ድማ እግዚአብሔር ነዚ ናይ ልበይ ሓሳባት ፈሊጡ ካህን ልኢኽለይ ኣሎ። ስለዚ ንሶም እናመሃሩና ኣነን ንስኽን  ብእዝነ ልቦናና ደኣ ንስማዕ” ብምባል ናብ ኣቦይ ቀሺ ኣመኃላለፈትኒ።

 ሽዑ ኣቦና ድምፆም ኣለስልስ ኣቢሎም “ዘማሪት ምዃን ማለት ብድምጽኻ ነቲ ጥዑም ዜማ ናብ ሰባት ምትኅልላፍ ጥራይ ዘይኮነ፡ ብሠናይ ኣካይዳኺ ማለት ብኣዘራርባኺ፡ ብኣከዳድናኺ፡ ብትሕትናኺን ንሰባት ማሪኽኪ ናብ ቤተ ክርስትያንን ናብ እግዚአብሔርን ምትኅልላፍ ማለት እዩ። ነዚ ድማ ጐይታ ንስኻትኩም ብርሃን ዓለም ኢኹም ዝበለና።(ማቴ 5፡14) ደጊሙ ውን “ነቲ ሠናይ ኣካይዳኹም ርእዮም ነቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ ኣቦኹም ምእንቲ ኼመስግናዎ፡ ብርሃንኩም ኣብ ቅድሚ ሰብ ይብራህ” ኢልና እዩ። (ማቴ 5፡16) ካብዛ ጥቕሲ ከም እንርድኦ ሰብ ንዓኽን ነተን ኣብ ቅድሚት ወፂኽን እትዝምራ ደቂ ኣንስትዮ ኵላትክንን ኣብነት ገይሩ እዩ ዝኽተል። ማለት ንስኽን ሰሓብን ጽፉፍን ኣካይዳ እንተደኣ ኣለክን በቲ ሕይወትክን ቀኒኡን ተሳሒቡን ናብ ቤት እግዚአብሔር መጺኡ መንፈሳዊ ሰብ ኮይኑ ከም ዝነብር ትገብራኦ። ኵሉ ሰብ ድማ ናይዚኣተን ኣምላኽ ሓቀኛ ኣምላኽ ሃይማኖተን ድማ ትኽክለኛ ሃይማኖት እዩ እናበለ ነቲ ሠናይ ኣካይዳኽን ርእዩ ነቲ ናይ ሰማይ ኣቦኽን የመስግኖ። ብኣንጻሩ ከምዚ ክንርእዮ ዝጸናሕና ዘርጊ ዝኾነ ኣካይዳ ማለት ደርፍን ሳዕስዒትን መዝሙርን ሓዋዊስክን ምስ እትኸዳ ድማ፡ ከምቲ ካብ ዝመውት ነዊኅ ዝገበረ ሬሳ ብጨናኡ ሰብ ናብኡ ከም ዘይቀርብ ዝገብር፡ ንስኽን ድማ ብኃጢኣት ስለ ዝሸተትክን ኵሉ ሰብ ካባኽንን ካብቲ ንስኽን ዘለኽንኦ ቤተ ክርስቲያንን ክሃድም ይጅምር፡ ሃይማኖትክንን ኣምላኽክንን ከም ዝንቀፉ ኸኣ ትገብራ። ስለዚ እዩ ድማ እቲ ክቡር ጳውሎስ “ብሰንክኹም ስመይ ኣብ ማእከል ኣሕዛብ ይጽረፍ ኣሎ ዝበለ” (ሮሜ 2፡23-24) 

 ስለዚ ሔዋን ጓለይ ክትጥንቀቕሉ ዘለኪ ካብ ኣከዳድናኺ ክጅምር ኢየ። ኣከዳድናኺ ንስኺ ውሽጣዊ መንነትኪ መን ከም ዝኾንኪ ዝዛረብ ልሳን እዩ። ፍቐሪ ዝሙት ዘለዋ ጓል ንሰብኡት ኣብ መጻወድያ እተእትወሉ ሰሓቢ ዝኾነ ናይ ዝሙት ክዳን ብምኽዳን ኢያ እትፍለጥ።   ንስኺ ድማ ከምዚ ዓይነት ንዝሙት ዝደፋፍእን ዝዕድምን ክዳን እንተተኸዲንኪ፡ ብርግጽ ኣብ ልብኺ ፍቕሪ ናይ ዝሙት ምህላዉ እዩ ዘፍልጥ። ኣፍኪ እኳ እንተዘይተዛረበ  ክዳንኪ ግና ኣፍ ኮይኑ ይዛረብ ምህላዉ ኣይትዘንግዒ። ነዚ ድማ እቲ ኸምዚ ዝስዕብ ዝብል ቃል ናይ ቅዱስ ኤፍሬም ሶርያዊ  ዜረጋግጾ ሓቂ እዩ። “ብሰሓብነት ክዳኑ ክፉእ ትምኒት ኣብ ልቦናኡ ኣእትዩ ንኽኃድር ዝሙት ክፍጽም ዝምነ ሰብ ሰሓቢ ኽዳን ይኽደን፡ ብኃጢኣት ዝረኸሰ ኽዳንኩም መጻወድያ ኣይትግበርዎ፡ ዘማውን ዘማዊትን ኣይትጠምት” ይብለና።   ቀጺሉ ዝጥቀስ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ቃል ኣብነት ኣከዳድናኡ ንሓደ ሰብ ብውርደተኛን ብነውሪ ዝኾነ ሥራሕን ከፍልጦ ከም ዝኽእል የረደኣና። ትእማር ንዝደለየቶ ኽትፍጽም ኮነ ኢላ ብዕላማ ናይ መበለት ክዳና ኣውፂኣ መጎናጸፍያን መሸፈንን ተኸዲና ኣብ ጽርግያ ተቐመጠት ሓሙኣ ይሁዳ ብመገዲ ኪኃልፍ “ገጻ ሸፊና ስለ ዝነበረት ኣመንዝራ መሰለቶ” ብምባል መጽሓፍ ቅዱስ ይትርኸልና። ስለዚ ንትእማር ኣከዳድናኣ ኣብቲ ጊዜ ንዝነበራ ኣመንዝራታት ኣምሲልዋ ነበረ /ዘፍ 38፡13-15/

  ከም ናይ ቀደም ሰባት ለሚውን ዋላ እኳ ከምቲ ነቲ ናይ ዝሙት ልብሲ ዝለበሳ ዝገብራኦ ተግባር እንተዘይገበርና፡ ኣከዳድናና ከም ናተን እንተ ኾይኑ ግና ምሳኣተን ከመድበና  ይኽእል እዩ። ካልኦት ካብ ኣከዳድናና ተበጊሶም ብዛዕባና እዚኣተን ዘመውቲ እየን እንተበሉና ክንፈርዶም ንኽእል ዲና? ካልኦት ሓሳባቶም ከም ዝልውጡ ካብ ምግባርን፡ ንሕና ኣከዳድናና ካብ ምስትኽኻልን ኣየናይ ይቐልል? ናይ ካልኦት ሰባት   ኣባና ዘለዎም ኣረኣእያን ኣተሓሳስባን ካብ ምቕያር፡ ኣከዳድናና ምቕያር ኣይቀልልን? 

 ሔዋን ጓለይ ንእግዚአብሔር ምግልጋል፡ ዘማሪት ኮይንኪ ኣብ ቅድሚ ሰባት ምውፃእ ቀሊል ኣይምሰልኪ፡ ብዝግባእ ተጠንቂቕኪ እንተኂዝክዮ ዓቢ በረኸትን ጸጋን ዘውህብ ኣገልግሎት እዩ። ብሸለልትነትን ብድፍረትን ምስ እትምልከትዮ ድማ ብኣንጻሩ ካብቶም ካብ ቤተ ክርስቲያን ወፃኢ ዘለዉ ኃጢኣተኛታት ንላዕሊ መሪር ቅጽዓት ክወርደኪ ይኽእል እዩ። ካህናት ደቂ ኤሊ ብዝፈጸምዎ ሸለልትነት ዝወረዶም ቅጽዓት ዘክሪ፡ ብሰንኮም ታቦት እግዚኣብሔር ኣምላኽ ብዘይፈልጡ ሰባት ተማሪኹ፡ ብሰንኮም ሕዝቢ እስራኤል ምስ ኣሕዛብ ኲናት ገጢሞም ከቢድ ስዕረት ገጢምዎም ብዙኃት ድማ ብዘሰቅቕ ሞት ረጊፎም፡ ሰበይቲ ካህን ፊንሃስ ክትሓርስ እንከላ ነዚ ብምስምዓ ብስንባደ ሞተት፡ ኣቦኦም ሊቀ ካህናት ኤሊውን በዚ ነገር ሰምቢዱ ካብ ተቐሚጥዎ ዝነበረ መንበር ወዲቑ ክሳዱ ተቖልዒጹ ሞተ እዚ ዅሉ ዝወረደ እግዚአብሔር ኣብ ቤቱ ንዝግበር ናይ ሸለልትነት ኣገልግሎት ብኸቢድ ዝብቀል ምዃኑ ዘርኢ እዩ። ነዚ ድማ እዩ ኤርሚያስ “እቲ ሥራሕ እግዚአብሔር ብሸለልትነት ዝገብሮ ርጉም ይኹን” ዝበለ /ኤር 48፡10/። ስለዚ ኣብ ኣከዳድናኺ ኣዚኺ ጥንቅቕቲ ኽትኮኒ ይግበኣኪ። ንክርስቲያን ብፍላይ ድማ ንሓንቲ ኣብ ሰባት ኣብነት ክትከውን ዘለዋ ዘማሪት ዝግባእ ክዳን ፈሊኺ ክትፈልጢ ይግበኣኪ።

 ክርስቲያን ክለብስዎ ዝግበኦምን ዘይግበኦምን ክዳን ኣሎ። ነዚ ውን ቅዱስ ጳውሎስ “ግቡእን ትሕትና ዘርእን ክዳን ይከደና። ከምቲ ነተን መንፈሳውያን ኣንስቲ ዝግባእ ብሠናይ ግብሪ ኪስለማ እደሊ ኣለኹ” /1ይ ጢሞ 2፡9-10/ ብምባል ገሊጽዎ ኣሎ።

 ዘይግባእ ክዳን ዝበሃል ዕርቃንካ ንምርኣይ ዝዳርግና ፀረ ክርስትና ዝዀነ መልእኽትታት ዘለዎን ክዳን እዩ። ኣብ ልዕሊኡ ናይ ዝሙት መልእኽቲ ዚኃዘ ሥዕልን ጽሑፍን ዘለዎ እንተኾይኑ፡ ምስ ሰብነትካ ጠቢቑ ኣካልካን ቅርጽኻን ዘርኢ ወይ ብዝኾነ መገዲ ክርስቲያናዊ ዕላማ ዝጻረር እንተኾይኑ ክርስቲያን ነዚ ክኽደና  ኣይግባእን።

 ዘይግቡእ ኣከዳድና ዝበሃል ደቂ ኣንስትዮ ስረ ምኽዳን ማለት ጥራይ ኣይኮነን። ቀሚስውን ዘይግባእ ክዳን ኮይኑ ዝርከበሉ ብዙኅ ኣጋጣሚ ኣሎ። ንኣብነት ኣዝዩ ሓጺር ወይ ዝተጨደደን ሰብነትና ዘርእን እንተ ኾይኑ ቀሚስ ስለ ዝኾነ ጥራይ “ዝግባእ ክዳን” ክበሃል ኣይክእልን እዩ።

  ሓንቲ ድንግል ንዓቕሚ ሔዋን ምስ በጽሐት ኣብ ኣካላታ ዝረአ ለውጢ ነቶም ዓቕሚ ኣዳም ንዝበጽሑ ኣወዳት ብኃይሊ ዝማርኽ ይኸውን። በዚ ምኽንያት ብዙኃት ደቂ ኣንስትዮ ብኣወዳት መንእሰያት ብተደጋጋሚ ይፍተና እየን። ንስኺውን እናዓበኺ ምስ ከድኪ ተመሳሳሊ ዝኾነ ፈተና ይገጥመኪ እዩ። ሓቀኛ ዝኾነ ናይ ልብን ናይ ሕሊናን ሰላም ንምርካብን፡ ንሰላምኪ ዝዘርጉ ሽግራት ከይረኽቡኽን እንተ ደኣ ትደልዪ ዄንኪን ነብስኺ ምቁጽጻርን ትኽክለኛ ኣብ ዝኾነ ነገር ተሪር መርገጺ ክህልወክን ይግብኦ።

 ምስ ናይ ወሊድ ዝምድና ዘለዎም ክፍሊ ኣካላትኪ ንኽርኣየልኪ ቁምጣን ምስ ነብስኺ ዝጠብቕ ቁርጽራጽ ቀሚስን ኣካላትኪ ዘርኢ መንፊት ዝዓይነቱ ረቂቕ ክዳውንቲ እናለበስኪ ኮነ ኢልኪ ኣቓልቦ መንእሰያት ክትስሕቢ ይግበኣኪ ድዩ? ከምዚ እንተደኣ ትገብሪ ዄንኪ በቲ ናይ ወራዙት ፆር ዝኾነ “ፍቕሪ ናይ ምንዝርና መጋየጺ” ተታኂዝኪ ኣለኺ ማለት እዩ። በዚ ምቕጻልኪ ድማ ናይቶም ኣንጻር ጾታ ዝኾኑ ደቂ ተባዕትዮ ፍትወተ ሥጋ ኣብ ምልዕዓል (ምቕስቃስ)  ዓቢ ተራ ትጻወቲ ምህላውኪ ኣይትረስዒ።

 ምስ ናይ ወሊድ ዝምድና (ምትእስሳር) ዘለዎም ክፍሊ ኣካላትኪ ዘጋልጽ ክዳን ተኸዲንኪ ናብ ዕዳጋን ናብ ናይ ሥራሕ ቦታን ምኻድ ኣዝዩ ዜኅፍር እዩ። ንሥራሕውን ዝምችእ ኣይኮነን። ብፍላይ ድማ ንክርስቲያን ሰብነትካ ከም እንስሳ ዘቚጽረካ ኽዳን ተኸዲንካ ኣብ መሐንበሲ ቦታታት ናብዝን ናብትን ምባል ነውሪ እዩ። ካብዚ ዅሉ ብዝኸፍአ ዘውቅስ ግና ክዳን ዘመውቲ ተኸዲንካ ቤተ ክርስቲያን ምእታው እዩ። ቅዱስ ዮሓንስ ኣፈወርቅ “ቦኑ ትትቃወምዮ ለቃለ ሓዋርያ ብፁዕ ጳውሎስ” ብምባል ተዛሪቡ ኣሎ። እዚ ድማ “ርእሳ ከይተሸፈነት እትጽሊ ወይ ትንቢት ትዛረብ ሰበይቲ ርእሳ እያ ተሕስር” ዝብል ቃል ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ንምቅዋም ዲኺ ናብ ቤተ ክርስቲያን እትኸዲ? ማለቱ እዩ 1ይ ቆሮ 11፡5።

 ብምባል እቲ ኣዕጽምቲ ዘጥልል ማዕዳኦም ምስ ወድኡ እቲ ቓል ልበይ ስለ ዝሃረመኒ ሰሙን ኃሊፉ ንኣበ ነፍሰይ ረኺበ ንስሐ ከይኣተኹ ንኸይመውት ካብ ልበይ እየ ክፈርህ ጀሚረ። ብፍላይ ኣብ ፌስ ቡክ ዝወርድ ሥዕልታት ናተይን ናይ መኃዙተይን ዓባየይ እንተትርእዮ ወዲቓውን ኣይምተንሰአትን፡ ምኽንያቱ ዚኃለፈ ሕይወተይ ኵሉ ድራማ እዩ ነይሩ። ቤተ ክርስቲያን ድማ ናይ ደገ ክፍኣተይ ንምሽፋን ልብሲ መዘምራን ለቢሰ ዝዋስኣላ መድረኽ እያ ነይራ። ብልብሲ መዘምራን ብዙኅ ሸቂጠ፡ ልብሲ መዘምራን ለቢሰ ብምሥዓል ኣብ ፌስ ቡክ ሼር ይገብሮ፡ ናይ ዘመውቲ ልብሲ ለቢሰ ድማ ኣብ ጐድኑ ይገብሮ፡ ክፍኣተይ ንኣይ ጥራይ ዘይኮነ ክንደይ ሰባት ብኣይ ተዓንቂፎም ከም ዝኾኑ ርዱእ እዩ? .....ይቕጽል

Monday 30 January 2017

ትርጕም ሓንቲ ቓል 6

‘ንምንታይ ሕያዋይ ትብለኒ ብዘይካ ሓደ ኣምላኽ ሕያዋይ የልቦን” /ማር 10፡18/

“ኢየሱስ ብመገዲ ኪኸይድ ከሎ ሓደ ሰብኣይ እናጐየየ ናብኡ መጺኡ ሰገደሉ። ‘ኣንታ ሕያዋይ መምህር ናይ ዘለዓለም ሕይወት ክወርስሲ እንታይ እግበር?’ ኢሉ ሓተቶ። ኢየሱስ ከኣ ከምዚ በሎ ‘ንምንታይ ሕያዋይ ትብለኒ ብዘይካ ሓደ ኣምላኽ ሕያዋይ የልቦን” /ማር 10፡18/። ነዚ ቓል እዚ ዚተዛረቦ ክርስቶስ እዩ። እዚ ቓል እዚ ኣምላኽነት ናይ ኢየሱስ ክርስቶስ ዘይቅበሉ ኣርዮሳውያንን መሰልቶም ንምድንጋር ዝጥቀምሉ ዘለዉ ቓል እዩ። እዚ ቓል እዚ ብዙኅ ሕቶታት ከልዕል ዝኽእል ቃል እዩ፡ ንኣብነት፦
1. ክርስቶስ ኣምላኽከ ኣይኮነን ድዩ?  
2. ክርስቶስ ሕያዋይ ኣይኮነን ድዩ? ዝብሉ ሕቶታት ከላዕል ይኽእል እዩ።
ኣምላኽነት ክርስቶስ መጽሓፍ ቅዱስ ብሉይን ሓድሽን ኪዳን ከምኡውን ንመጽሓፍ ቅዱስ ተቐቢሎም ሠሪዖም ካብ ናይ መናፍቓን መጻሕፍቲ ፈልዮም ዘረከቡና ኣበው ቅዱሳን ኵላቶም ናይ ክርስቶስ ናይ ባህርይ ኣምላኽነት ገሊጾም እዮም። ካብቲ ብዙኅ ውሑድ ንምጥቃስ ብናይ ብሉይ ኪዳን ኣበው ንጀምር፦ “ድንግል ክትጠንስ እያ ወዲ ኸኣ ኽትወልድ እያ፡ ስሙውን ኣማኑኤል ኢላ ኽትሰምዮ እያ” ዝብል ናይ ኢሳይያስ ትንቢት ንርአ።  ነዚ ቓል ኣስተንትንዎ፡ ኣብ ዝኾነ እምነት ናይ ዓለም ብዘይ ዘርኢ ዝተጠነሰ ነቢይ ኣሎ ድዩ? ብድንግልና ዝተወለደኸ? ብርግጽ የልቦን። እዚ ፈጣሬ ዓለማት ኢየሱስ ክርስቶስ ብዘይምርመር ጥበቡ ዚፈጸሞ ናይ በይኑ ተኣምራታዊ ልደት ኣምላኽነቱ ዘረጋግጽ እዩ።

 ኣማኑኤል ማለትከ እንታይ ማለት እዩ? ኣማኑኤል ማለት ኣምላኽ ምሳና ማለት እዩ /ማቴ 1፡23/። ስለዚ እቲ ብሥጋ ካብ ድንግል ማርያም ተወሊዱ ምሳና ዚተመላለሰ ክርስቶስ ኣምላኽ እዩ። ቀጺሉውን ኢሳይያስ “ሕፃን ተወሊድልና ወዲውን ተዋሂቡና እዩ፡ ንሱ ኸኣ ገዛኢና ኪኸውን እዩ ንሱ፦
ግሩም መኻሪ
ብርቱዕ ኣምላኽ
ዘለዓለማዊ ኣቦ
መስፍን ሰላም ተባሂሉ ኺጽዋዕ እዩ” ይብል /ኢሳ 9፡6/። ሕጂውን ነዘን ቃላት ነስተንትነን፡ እቲ ኣብ ቤተ ልሔም ዚተወልደ ሕፃን ንሱ “ብርቱዕ ኣምላኽ” እዩ “ናይ ዘለዓለም ኣቦ” ድማ እዩ። ዘለዓለማውነት ናይ እግዚአብሔር ናይ በይኑ ባህርይ ምዃኑ ኣይትዘንግዕ። ስለዚ ንሱ እግዚአብሔር እዩ። ሓንቲ ናይ ኢሳይያስ ቃል ንወስኽ “እግዚአብሔር ጐይታ ሠራዊት ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ቀዳማይን ዳኅራይን ኣነ እየ ብጀካይ ካልእ ኣምላኽ የልቦን..” /ኢሳ 44፡6/። ነዚ ድንቂ ቓል እዚውን ናብ ሓድሽ ኪዳን መጺኻ እሞ መርምሮ “ኣይትፍራህ ኣነ እቲ ቐዳማይን እቲ ዳኅራይን እቲ ሕያውን እየ። ሞይተውን ነበርኩ፡ እነሆ ኸኣ ንዘለዓለም ዓለም ሕያው እየ፡ ኣብ ልዕሊ ሞትን ሲዖልን ከኣ ሥልጣን ኣሎኒ..” ብምባል ክርስቶስ ኪዛረቦ እንከሎ ክትርኢ ኢኻ /ራእ 1፡17-18/።

 እቲ ኣብ ብሉይ ኪዳን “ቀዳማይን ዳኅራይን ኣነ እየ ብጀካይ ካልእ ኣምላኽ የልቦን.” ኢሉ ንኢሳይያስ ዚተዛረቦ እግዚአብሔር፡ ሥጋ ለቢሱ ምእንታና ሞይቱ ንሞት ብሞቱ ስዒሩ ብኽብሪ ብምትንሣእ ናብ ሰማያት ምስ ዓረገ ንዮሓንስ ተገልጸሉ እሞ “ቀዳማይን ዳኅራይን ኣነ እየ” ብምባል ኣምላኽነቱ ኣነጸረሉ።

 ነቢይ ዳዊት “ኣምላኽ ብዕልልታ እግዚአብሔር ብደሃይ መለኸት ዓረገ” /መዝ 47፡5/ ብምባል ዝዘመረሉኸ ነቲ ንሞትና ብሞቱ ስዒሩ ዚዓረገ ንኢየሱስ ክርስቶስ እንተ ዘይኮይኑ ንመን ኪኸውን ይኽእል። ወንጌላዊ ቅዱስ ሉቃስ “እናረኣይዎ ናብ ሰማይ ዓረገ፡ ካብ ኣዕይንቶም ከኣ ደመና ሠወረቶ” ብምባል ከም ዝጸሓፎ እቲ ዝዓረገ ንሱ ኢሱስ ክርስቶስ እዩ /ግ.ሐ 1፡9/። ቅዱስ ዳዊት ድማ ነዚ ኣቐዲሙ መንፈስ ቅዱስ ስለ ዝገለጸሉ ነዚ ዝዓረገ ጐይታ “ኣምላኽ እግዚአብሔር” ብምባል ዘመረሉ።

 ናብ ሓዋርያት ምስ ንመጽእ ድማ ብቐዳምነት ዚጥቀስ ናይ ወንጌላዊ ቅዱስ ዮሓንስ ቃል እዩ። “ቃል ብቕድሙ ነበረ እቲ ቓል ድማ ኣብ ኣምላኽ ነበረ፡ እቲ ቓልውን ኣምላኽ ነበረ” ብምባል ብደረቑ ኢየሱስ ክርስቶስ ብቕድሙ ዚነበረ ኣካላዊ ቓል መለኮታዊ ኣምላኽ ከም ዝኾነ ብግልጺ ጸሓፈ /ዮሓ 1፡1/። ቅዱስ ጳውሎስውን “ንሱ ልዕሊ ዅሉ ዝኾነ ኣምላኽ ንዘለዓለም ብሩኽ እዩ፡ ኣሜን” ብምባል ደምዲምዎ ኣሎ /ሮሜ 9፡5/።
ክርስቶስ ሕያዋይ እዩ

 ናይ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ሕያውነት ብቓላት ወይ ብጥቕሲ ጥራይ ኺግለጽ ዝኽእል ኣይኮነን። ዚገበሮ ተግባር ንባዕሉ እኹል ምስክር እዩ። ሰብ ከም ዝኸውን ዝገበሮ መግረፍትን ሥቅያትን ሞትን ከም ዝቕበል ዝገበሮ “ሕያውነቱ” ዶ ኣይኮነን? እቲ ሕያዋይ ሳምራዊ መን ድዩ? ንሱ ባዕሉ እቲ ሕያዋይ ክርስቶስ እኮ እዩ! /ሉቃ 10፡25…/። ነዚ ንምርግጋጽ ናቱ ናይ ክርስቶስ ቃል ኪጠቕሰልኩም እሞ ናብ ትርጓሜኡ ኪንኃልፍ፦ “ሕያዋይ ጓሳ ኣነ እየ፡ ሕያዋይ ጓሳ ሕይወቱ በጃ ኣባጊዑ ኣኅሊፉ ይህብ..” /ዮሓ 10፡11/። ካብዚ ዝበለ ሕያውነት እሞ እንታይ ደሊኻ? 

 ስለዚ ናይ ክርስቶስ ኣምላኽነትን ሕያውነትን ንጹርን ብሩህን ከም ዝኾነ መጀመርታ ብልብኻ እመን። ብድኅሪኡ ስለ ምንታይ ‘ንምንታይ ሕያዋይ ትብለኒ ብዘይካ ሓደ ኣምላኽ ሕያዋይ የልቦን” ኢሉ ከም ዚተዛረበ ብምስትውዓል መርምር። ብልማድ ናይ እስራኤላውያን ዝወድስካዮ ሰብ ተመሊሱ ይውድሰካ፡ ስለዚ ኪትውደስ እንተ ደሊኻ ንስኻ ኣቐዲምካ ኢኻ ትውድስ። እዚ ናብ ክርስቶስ መጺኡ “ሕያዋይ” ዝበሎ ሰብ እምበኣር “ንርእሱ ሕያዋይ” ክበሃል ዝደለየ ሰብ እዩ ነይሩ። እዚ ሰብ እዚ ሕያዋይ ክበሃል ደለየ፡ ናይ ሕያውነት ሥራሕ ግና ኣይነበሮን። እዚድማ ጐይታና “ዘለካ ዅሉ ሼጥካ ንድኻታት ሃብ..” ምስ በሎ “ንሱ ግና ብዙኅ ጥሪት ስለ ዚነበሮ በዚ ቓል እዚ ኃዘነ እናጐሃየውን ከደ” ብዝብል ቃል ከነረጋግጾ ንኽእል ኢና ሉቃ 10፡21-22/። 

 በዚ ምኽንያት እዚ እዩ እምበኣር እቲ ሓሳብ ኵልና ዚፈልጥ ጐይታና “ናይ ሕያውነት ግብሪ ዘይብልካስ ሕያዋይዶ ኽትበሃል ደሊኻ፡ ብዘይካ ሓደ ኣምላኽ ብባህርይኡ ሕያዋይ የልቦን” ብምባል ዚመለሰሉ። እዚ ከምዚ ዓይነት ውዳሴ ኸንቱ ናይ ምድላይ ጥበብ ኣብ ካልእ ክፍሊ ናይ መጽሓፍ ቅዱስውን ብኻልእ ሰበይቲ ተፈጺሙ ኣሎ። እቲ ቓል ከምዚ ይብል፦ “ኢየሱስ እዚ ኽዛረብ ከሎ ሓንቲ ሰበይቲ ካብቶም ሕዝቢ ድምፃ ዓው ኣቢላ ‘ዝፆረትካ ኸርሥን ዝጠቦኻየን ኣጥባትን ብፁዓት እየን” በለቶ /ሉቃ11፤27/። ኣስተውዕሉ እዚ ኣዘራርባ እዚውን ምስቲ ናይቲ ሃብታም ሰብኣይ ሓደ ዓይነት እዩ። ናይ ጐይታና መልሲውን ሓደ እዩ “ንሱ ግና ብፁዓንሲ እቶም ንቓል ኣምላኽ ዝሰምዑዎን ዝሕልዉዎን ደኣ እዮም በላ” /ሉቃ 11፡28/። እሞኸ ድንግል ማርያም ብፅዕቲ ኣይኮነትን ድያ? ኣብ ዝቕጽል የራኽበና….


“አንቲ ጓለይ እዚኣስ ዘማሪት ድያ ወይስ ኣዝማሪት” 3ይ ክፋል

. ዓባየይ “ሔዋን ጓለይ ይኣኽለኒ ካብዚ ናይ ዳንኬራ ቦታ ከዕርፍ ገዛ ውሰድኒ እሞ እቲ ዘዝተረፈ ድማ ኣብኡ ኺንምልኦ ኢና” ኢላትኒ ናብ ገዛ ተበገስና።  ሕጂ ድማ ካብቲ ዓባየይ ኣፍ ደገ ሞት ኢላ እትጽውዖ ናይ ጓይላን ዕግርግርን ቦታ ወፂና ኣብ መኪና ተሰቒልና ጕዕዞ ንገዛና ኢና ተተኃኂዝናዮ ዘለና።  ኣብ መገዲ እንከለና ብሃንደበት ስልኪ ተደወለኒ ቴለፎነይ ናይ ሓደ ደራፊ ድምፂ ተሰንያ ከተጕርዕ ጀመረት፡ ኣቦይ ቀሺ እዮም ስሕት ኢሎም ኣብ ገዛ መጺኦም ቃለ እግዚአብሔር ስለ ዝምህሩና፡ ገዛ እንተለኹ ንኸረጋግጹ እዮም ደዊሎም። ዓባያይ ሔዋነይ እዞም ደረፍቲስ ሂዲመሎም እንተበልኩ እምበኣር ሓዚልክለይ መጺኺ? ካን ዋላ ኣብ ስልክኺ ደራፎ ተሰኪምኪ ኢኺ ትኸዲ? ብምባል እናተደነቐት፡ ኣቦይ ቀሺ ንገዛ ድዮም ዝመጹ ዘለዉ ብምባል ሓተተትኒ? እወ ይመጹ ኣለዉ፡ ብባቡር ገይሮም ከርክቡና እዮም ኢለያ ጕዕዞና ቐጸልና።

ኣብ ገዛ ምስ ኣተና ኣቦይ ቀሺ ቀልጢፎም ስለ ዝመጹ፡ ንዕላልና ቐልጢፎም ተሓወስዎ። በቲ ዓባየይ ዝሃባኒ ምኽርን ትምህርትን ድማ ኣዝዮም ተደነቑ። “ኣየ ኵሉ ወላዲ ከምዚ እናገበረ ደቁ እንተ ዝምህር እዛ ዓለም ከመይ ብቐሊሉ ምተዓረየት መሲልክን? እናበሉ ከስተንትኑ ኸኣ ጀመሩ። ዓባየይ ድማ “በሉ እግዚአብሔር ንኣይ ክብል እዩ ሎሚ ሰዲድኩም ዘሎ እሞ፡ ንኽልቴና ጌርኩም ካብቲ ጥዑም ቃል መሃሩና፡ ብፍላይ ብዛዕባ እዚ ሔዋን ጓለይ ትሓቶ ዘላ ጽላለ፡ በቲ ዚተዋህበኩም ጸጋ ጌርኩም ኣስፍሕ ኣቢልኩም መሃሩና ኣቦየ” እናበለት ብትሕትና ተዛረበቶም። ኣቦና ኸኣ ኣይ! ኣደይ ለተብርሃን ኵሉ እቲ ዝበሃል ኢልክንኦ ኢኽን፡ የግዳስ ኣብዚ በጺሐውን በረኸት ተኻፊለ ምእንቲ ክኸይድ ንእሽተይ ወስ ክብለክን” እናበሉ ናባይ እናጠመቱ “ሔዋን ጓለይ ጓይላ ናይ ኣቦታትና እንድዩ ዝብል ሕቶ ኢኺ ሓቲትኪ ዘለኺ፡ ነዛ ሕቶ ንምምላስ ቀሊል እዩ፡ ኣቦታትኪ ዝበሃሉ ግና በዓል መን እዮም ሔዋን ጓለይ፡ ነዚ ሕቶ ብመጽሓፍ ቅዱሳዊ ቃል ክንምልሶ እንከለና ጥራይ እዩ ዝቐልል፡ ክርስቲያን ድማ ንዝኾነ ዝመጸና ሕቶ ካብ መጽሓፍ ቅዱስን ናይ ኣቦታትና መጻሕፍትን ወፃኢ ብናትና ትርጕምን ሓሳብን ክንምልሶ የብልናን። መጽሓፍ ቅዱስ ድማ እምነት ኣቦታትኩም ኣኽብሩ እምበር ክፉእ ልምዲ ኣቦታትኩም ኣኽብሩ ኣይብልን እዩ /እብ 13፡7/። ኣቦታትና ዝበሃሉ ድማ እቶም ብመንፈስ ብሃይማኖት ዝወልዱና ነቢያት ሓዋርያት ሰማዕታትን ጻድቃንን እምበር ብሥጋ ዝወለዱና ጥራይ ኣይኮኑን። 

 ብሥጋ ዝወለዱና ሥጋውያን እንተኾይኖም ናታቶም ሥጋዊ ነገር ክንክተሎ ኣይግበኣናን፡ ብሥጋ ዝወለዱና መንፈሳውያን እንተኾይኖም ግና ኵሉ መንፈሳዊ ነገሮም ንኽተሎ። ነቶም ጓይላን ሳዕስዒትን ስኽራንን ንእኡ ዝኣመሰለ ዘዘውትሩ ወለዲ ኣቦታትና ኢልና ንጽውዖም እንተሃሊና ግና ከምቲ ጐይታ ዝበሎ “ንስኻትኩም ናይ ኣቦኹም ናይ ዲያብሎስ ግብሪ ኢኹም ትገብሩ ዘለኹም” ዝብል መልሲ ኢዩ ዝወሃበና። (ዮሐ 8፡35-40) ስለዚ ሔዋን ጓለይ ኣቦታትኪ ብዛዕባ ጓይላ እንታይ ከም ዝጸሓፉልኪን ሥርዓት ከም ዝሠርዑልክን  ድማ ክነግረኪ ኢየ ጽን ኢልኪ ስምዕኒ። ሰባት ንደርፊ ከም ሥራሕ ጌሮም ክኅዝዎ ምዃኖም ኣቐዲሙ መንፈስ ቅዱስ ዝገለጸሎም ኣቦታትኪ ብፍላይ “ፍትሐ ነገሥት መንፈሳዊ ብዛዕባ ሥራሕ ኣመልኪቱ ክዛረብ እንከሎ ከምዚ ይብል “ብዛዕባ ተግባረ ኢድ ግና ኣብ ዓለም ካብ ዝሥርሑ ሥራሓት መንፈሳዊ ሕጊ ዝቃወም ሥራሕ እንተ ዘይኮይኑ ኵሉ ሥራሕ ኽሠርሑ ይግባእ። ከም ደርፍን ሕማቕ ጸወታን ብእግርኻ ምሽብሻብ (ዳንስ ጭፈራ) እንተ ዘይኮይኑ” /ፍት.ነገ መን.አን.23፡820/ እዚ ናይ ኣቦታት ቃል ደርፊ ከም ሥራሕ ክቑጸር ከም ዘይብሉ ዘረድእ እዩ።

 ብርግጽውን ሓዋርያት ኣብ ዲዲስቅልያ “ኢትኩኑ ዘፈንያነ” ደረፍቲ ኣይትኹኑ ኢሎም ጽሒፎምልና እዮም /ዲድስ ኣን 7/።  መጽሐፈ ሓዊ ድማ “ካብ ሰይጣን ዝተረኽበ ስለ ዝኾነ ጓይላን ሳዕስዒትን ካባና ከነርሕቕ ይግበኣና” ይብል /መጽ ሓዊ አን 50/። ቅዱስ ዮሐንስ ኣፈወርቅ ድማ ካብ ምእዛዝ ኃሊፉ “ጓይላ ንኽትገድፉ እልምነኩም ኣለኹ” እናበለ ይምሕጸነና /ተግ ዘዮሐ አፈ 28/

 ጓይላ ኣይንገድፍን ንዝበሉ ድማ መጽሓፈ ሓዊ “ኣብ ጓይላ ጸኒዖም ንዝነብሩ ክፍረዶም እዩ” ብምባል ከጠንቅቐና እንከሎ ንርኢ (መጽ ሓዊ አን 12) ነዚ ናይ ቅዱስ ሓዊ ቃል ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ “ናይ ሥጋ ሥራሕ ግሉጽ እዩ ንሱ ድማ ዝሙት ስኽራን ጓይላ ነዚኣቶም ዝገብሩ መንግሥቲ ኣምላኽ ኣይወርሱን እዮም ብምባል ዘቐመጦ ናይ መጠንቀቕታ ቃል ሓደ እዩ /ገላ 5፡21/። ክፈርዶም እዩ ማለትን ናይ እግዚአብሔር መንግሥቲ ኣይወርሱን እዮም ማለትን ፍልልይ የብሉን” እናበሉ ዘየዳግም መልሲ ብምሃብ ንልበይ ናብ ምልኣት ሰሓብዎ።....

Friday 27 January 2017

“አንቲ ጓለይ እዚኣስ ዘማሪት ድያ ወይስ ኣዝማሪት” 2ይ ክፋል

. . . ሽዑ ኣነ “ኣንቲ ዓባየይ ኣዝማሪት እኮ እታ ኣብ ገዛውትና ኣውድኣመት ክኸውን ከሎ ብዋጣ እናገበረት ትስዕስዕ ዝነበረት በለጠሽ እትበሃል ኢትዮጵያዊት ከምኣ ማለት እኮ ኢኺ ትብሊ ዘለኺ። ንሳ ምስዛ ዘማሪት መሓዛይ እንታይ ኣራኺብዋ፡ ንሕና ንዝምር ኢና ንሳ ግና ትደርፍን ትስዕስዕን ጥራይ እያ” ብምባል ኪጣብቕ ፈተንኩ፡ ዓባይይ ግና ስምድ ኢላ “ሔዋን ጓለይ ንስኺውን ከም ናታ ትስዕስዒ ዲኺ?” ምስ በለትኒ፡ ዓባየይ ኣብዚ ዓዲ ዝበዝሓ መዘምራን ይስዕስዓ እየን፡ እቶም ካህናት ድማ ሳዕስዒትን ማህሌትን ደርፍን መዝሙርን ብሓደ ስለ ዘይከይድ፡ እተን ኣብ ጓይላ ዝሓደርክን ክትዝምራ ኣይግብኣክንን ኢዩ ኢሎም ከልኪሎምና ኣይፈልጡን ኢዮም፡ ከምኡ ዝብል ናይ መዘምራን ሕግን ሥርዓትንውን የብልናን። ስለዚ ንሳቶም ዘይከልከሉናስ ዓበየይ ድማ ዘየጨንቕ እዩ ዘጨንቐኪ፡ ሎሚስ ልዕሊ ካህን እምበር ክትኮኒ ደሊኺ” ብምባል ክምልስላ እኳ እንተፈተንኩ፡ ዓበየይ ግና ብመንፈሳዊ ሕይወት ዝበሰለት ብጸጋ እግዚአብሔር ዝኸበረት ስለ ዝነበረት “ሔዋነይ ሰብ ሕጊን ሥርዓትን እኳ እንተዘይተሠርዓሉ፡ ክፍጠር ከሎ ምስኡ ዝተፈጥረ ሕማቕን ጽቡቕን ፈልዩ ዘፍልጥ ሕጊ ኣብ ልቡ ተጻሒፍዎ ስለ ዝፍጠር፡ ሕጊ ዘይተገብረለይ ሥርዓት ዘይተሠርዓለይ ኢሉ ከመኽኒ ግቡእ ኣይኮነን። (ሮሜ 2፡14-15) ቅደሚ ኣቦና ሙሴ ዝነበሩ ቅዱሳን ኣብ ዘመኖም መጽሓፍ ቅዱስ ኣይነበሮምን ናይ ኣምልኾ ሥርዓትውን ኣይተሠርዓሎምን፡ በቲ እግዚአብሔር ኣብ ውሽጢ ልቦም ዘቐመጦ ሕጊ (ሕገ ልቦና) ተመሪሖም ጥራይ ጽቡቕ ካብ ሕማቕ እናፈለዩ ብምሥራሕ ንእግዚአብሔር ኣሥሚሮመዎ እዮም። 

ንስኺ ግና ብዛዕባ ደርፍን ጓይላን ሳዕስዒትን  ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ከቢድ ኃጢኣት ምዃኑ ተጻሒፍልኪ ኢዩ። (ገላ 5፡19-21 ሮሜ 13፡13 1ይ ጴጥ 4፡1-3 .....) ብሕጽር ዝበለ ደርፊ ናይ ኣጋንንቲ ኢዩ እዛ ጓለይ፡  ምድራፍ ጥራይ ዘይኮነ ንደርፊን ጓይላን ምድጋፍን ምትብባዕን ውን ሥራሕ ኣጋንንቲ ምዃኑ ብኸምዚ ዝስዕብ ተጻሒፉ ኣሎ “እናደረፉ ምስ ኣጋንንቲ ይጻውቱ ነበሩ፡ ኣጋንንቲውን ንኹሉ ጸወታኦምን ደርፎምን የድንቕሎም ነበሩ” /3ይ መቃ 36፡27-28/። እሞ “ነቲ ጽዋዕ ጐይታን ጽዋዕ ኣጋንንትን ክትሰትዩ ኣይኮነልኩምን እዩ፡ ካብ መኣዲ ጐይታን ካብ መኣዲ ኣጋንንትን ክትቅበሉውን ኣይኮነልኩምን እዩ፡ ወይስ ንጐይታ ምእንቲ ከነቕንኦ ዲና?” 1ይ ቆሮ 10፡21-22። ዝብል ቃል መጽሓፍ ቅዱስ ከ እንታይ መልሲ ይህልወኪ ይኸውን? ሔዋን ጓለይ ሕጂስ ዝተረድኣኪ ኢኺ እትመስሊ ርኢኺ እዛ ጓለይ ሥራሕ ኣጋንንቲ እናሠራሕኪ፡ ልብኺ በዚ ናይ ኣጋንንቲ ሥራሕ ዝኾነ ደርፍን ጓይላን ተመሊኡ እንከሎስ በየናይ ሕልና ኢኺ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ቆይምኪ ኺትዝምሪ፡ ከመይ ኢልኪኸ በተን ናይ ኣጋንንቲ መሳርሒ ዜማ ዝኾነ ከበሮ ናይ ጓይላ ዝረኸሳ የእዳውኪ፡ ነቲ ብቐዱስ ሜሮን ዝኸበረ ንዋየ ቅድሳት ናይ ያሬዳዊ ዜማ ንምዝያም ዝጥቀምሉ ከበሮ ብድፍረት ክትንክፍዮ፡ እቲ ከም እንስሳ ዝተፈላለየ ህዋሳትኪ ተቐሊዑ ኵሉ ሰብ ክርእዮ ተጋሊጹ ንብዙሕ ሰብ ናይ ዝሙት ስምዒቱ ከም ዘለዓዕል ብምግባር ኣብ ኃጢኣት ከም ዝሽመም ዝገበረን፡ ብዝተፈላለየ ኢክርስቲያናዊ ዝኾኑ ቅብአታት ናይ ሰዶም ዝተቐብአ ኣካላትኪ ነቲ ክቡርን ቅዱስን ልብሲ መዘምራን ክትለብሲስ ከመይ ዘይትፈርህን ዘይተንቀጥቅጥን? ነዚ ንዋየ ቅድሳት ምስ እትደፋፈሪ ዝወርደኪ መቕጻዕቲ ኣብ ትንቢተ ዳንኤል ናይ ንጉሥ ብልጣሶር  ታሪኽ ኣስተውዕሊ። 

 ንሱ ነቶም ናቡከደነጾር ካብ ኢየሩሳሌም ማሪኹ ብምምጻእ ኣኽቢሩ አቐሚጥዎም ዝነበረ ንዋየ ቅድሳት ኣብ ቤት ጓይላ ኣምጺኡ መንፈሳዊ መስተ ንኽስተየሎም ዝተቐብኡ ሥጋዊ መስተ ክስተየሎም ገበረ፡ መንፈሳዊ ምግቢ ክብልዓሎም ዝተቐብኡ፡ ሥጋዊ መግቢ ክብልዓሎም ኣዘዘ፡ ብድሕሪ እዚ ናይ እግዚአብሔር ቊጥዓ ኣብ ልዕሊኡ ነደደ ብሃንደበት ካብ እግዚአብሔር ዝተላእከት ኢድ፡ መንደቕ ናይቲ ንጉሥ ተቐሚጥዎ ዝነበረ ቤት በሲዓ ብምእታው ኣብ ፊቱ ማኔ ቴቄል ኡፋርሲን፡ ዝብሉ ሠለስተ ቃላት ጽሒፋ ተሰወረት። ትርጉሙ ድማ “ማኔ” ማለት ኣምላኽ ንመንግሥትኻ ቆጸሮን ጠረሶን፡ “ቴቄል” ማለት ድማ ተመዚንካስ ፈኵስ ኮይንካ (ቀሊልካ) ተረኺብካ ማለት ክኸውን ከሎ፡ “ኡፋርሲን” ድማ መንግሥትኻ ተመቒላ ንሰብ ፈርስን ሜዶንን ተዋህበት ማለት ኢዩ።

 ስለዚ ነቲ ሥጋዊ ምስ መንፈሳዊ፡ ነቲ ኣምላኻዊ ድማ ምስ ሰይጣናዊ ምትሕውዋስ፡ ኣብ ምቕዳስ ጸኒሕካ ኣብ ምድናስ፡ ኣብ መዝሙር ጸኒሕካ ድማ ናብ ጓይላን ሳዕስዒትን ምኻድ፡ ከም ናይ ብልጣሶር ብሚዛን እግዚአብሔር ተመዚንካ ፈኲስ (ቀሊል) ኮንካ ከም እትርከብ እዩ ዝገብረካ፡ ፍጻሜኡ ድማ ከም ናይ ብልጣሶር ሕማቕ ሞት ኢዩ። (ትን ዳን 5፡1.... ፍጻሜ) ነቲ ቅዱስ ጴጥሮስ “ሓሰማስ ተሓጺባ ኣብ ጸብሪ፡ ከልቢ ድማ ናብ ትፋኡ ተመልሰ ” (2ይጴጥ 2፡22) ዝበሎ ከይበጽሓኪ ሓዲኡ ድኣ ሓዚ” ብምባል ዘረባኣ ምስ ወድአት ዘረባኣን ትምህርታን ኵሉ ደስ ኢሉኒ ተቐቢለዮ ኸብቅዕ፡ ነታ ንኽንደይ ሰባት ንዓይውን ከይተረፈ መዐንቀፊ ኮይናትና ዝነበረት፡መልሲ ውን ዘይረከብኹላ ሕቶ፡ ዓባየይ ብኸመይ ትምልሰለይ ምእንቲ ኸፈልጥን ነቶም ከምኡ እናበሉ ዝሓቱ ድማ ተቢዐ እቲ ቅኑዕ መልሲ ምእንቲ ኺነግሮምን ግና “ኣንቲ ዓባየይ’ እሞ ጓይላ ናይ ኣቦታትና ዘይኮነን? ብምባል ገለ ነዛ ኵሎም ሰባት ከም መዐንቀፊ ዝኾነት ቃል መልሲ ክትህበኒ ኢለ ብሕቶ መለስኩላ።

ሕይወተ ወራዙት 3ይ ክፋል

ዘመነ ውርዛዌ


ዘመነ ውርዛዌ “ናይ ንእስነት (ናይ ጕብዝና) ዕድመ” ብቚጽሪ ዓቂንካ ካብ ክንድዚ ክሳዕ ክንድዚ እዩ ኢልካ ንምዝራብ ኣሸጋሪ እዩ። እንተ ኾነ ግና ሓደ ሓደ መጻሕፈቲ፡ ካብዚ ክሳዕ እዚ ዘሎ ዘመን “መንእሰይ የብል” ብምባል ብቚጽሪ ፈልዮም መረዳእታ ይህቡ እዮም። ብናይ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን መንፈሳውን ምሳልያውን ትምህርቲ ድማ “ንእስነት ጕብዝና” ዝበሃል ካብ 20-40 ዘሎ ዓመት ከም ዝኾነ ኣብ ታሕቲ ተዋሂቡ ዘሎ ሓተታ የረድእ።

ከም ዝፍለጥ ናይ ወዲ ሰብ ተፈጥሮ ኣብ ንፋስን እሳትን ማይን መሬትን ኃሙሻይ ድማ ነፍሲ እዩ። እቶም ኣርባዕተ ባህርያተ ሥጋ ዝበሃሉ ንፋስን እሳትን ማይን መሬትን ክኾኑ እንከለዉ፡ እዚኣቶም ብምሉኦም ኣብ ሕይወት ናይ ሓደ ሰብ ኪንጸባረቑ ይነብሩ። ኪመውት እንከሎ ኸኣ ኣርባዕቲኦም ናብ ዝነበሮም ናይ ጥንቲ ህላዌኦም ይምለሱ። ሽዑ ሰብ ይብስብስን ይፈርስን። ኣብ ትንሣኤ ዘጉባኤ ድማ ኣርባዕተ ናህርያት ብድጋሜ ምስ ነፍሲ ተወሓሒዶም ይትንሥኡ።

ኣበው “ካብ ኣፈፌት ንፋስ ካብ ኣፍ ድማ እስትንፋስ” ከም ዝብሉ፡ ወዲ ሰብ ኣብ ኵሉ ዘመኑ ከተንፍስ ይነብር። እዚ ኸኣ ብተፍጥሮኡ ባህርየ ነፍሲ ከም ዘለዎ ምልክት እዩ። ኣብ ጥዑይ ሰብነት ዝርአ ቀዋሚ ናይ ሰብነት ሙቐት፡ ብዝተፈላለዩ ምንቅስቓሳትን ጥዕና ብምስኣንን ናይ ሰብነቱ ሙቐት ኪቕንስን ኪውስኽን ምርኣዩ ድማ፡ ኣብ ሰብነቱ ባህርየ እሳት ከም ዘሎ ዘመልክት እዩ። ምኽንያቱ ዋዒ ናይ እሳት ባህርይ ስለ ዝኾነ። ካብ ሰብነት ናይ ወዲ ሰብ ዝበዝኀ ብማይ ዝቖመ ምዃኑ ድማ ካብ ማይ ከም ዚተሠርሐ የረድእ። ብተወሳኺውን “መሬት ኢኻ እሞ ናብ መሬት ድማ ኺትምለስ ኢኻ” ከም ዝተባህለ ወዲ ሰብ ምስ ሞተ መሬት ይኸውን /ዘፍ 3፡19/። ብኻልእ ወገን ምስ ንምልከት ድማ ኵሉ ሰብ ግዙፍ ነገር ተመጊቡ ግዙፍ ነገር ምውፅኡ (ምስዳዱ) ናይ መሬትነት ባህርይ ኣለዎ ከብሎ ይኽእል። ምኽንያቱ እንምገቡ ዝኾነ ነገር ምንጩ ሓመድ ፍጻሜኡ ውን ሓመድ ስለ ዝኾነ። ናይ ወንጌል ማቴዎስ ትርጓሜ “ዝበልዕን ዝብላዕን መሬት እዩ” ብምባል ነቲ መግቢ ጥራይ ዘይኮነ እቲ ተመጋቢ ወዲ ሰብውን  መሬት ምዃኑ ይገልጽ /ማቴ 15፡20/።

 ቅዱስ ዳዊት፦ “ዕድሜና ሰብዓ ዓመት እንተ በዝኀ ኸኣ ሰማንያ ዓመት እዩ” ይብል /መዝ 90፡10/። ነዚ ዕድመ ናይ ወዲ ሰብ ኣርባዕተ ባህርያተ ሥጋ ብማዕረ ይካፈልዎ። እዚ ማለት ዋላ እኳ ኣርባዕቲኦም ኣብ ዘመን ሕይወት ናይ ወዲ ሰብ ክሳዕ መወዳእታ ብሓድነት ዚጸንሑ እንተ ኾኑ፡ ዝያዳ ጐሊሖም ዝረኣይሉ ዕሥራ ዕሥራ ዓመት ኣለዎም።

 ካብ ሓደ ክሳዕ ዕሥራ ዓመት ዘሎ ዕድመ ናይ ንፋስ ባህርይ ዝያዳ ጐሊሑ ዝረኣሉ ዘመን ብምዃኑ “ዘመነ ንፋስ” ወይ ከኣ “ምግበ ንፋስ” ይበሃል። ኣብዚ ጊዜ እዚ “ንፋስ ናብ ዝደለዮ ይነፍስ” ሕፃናትውን ናብ ዝመሰሎም ሽው ሽው ይብሉ /ዮሐ 3፡8/። እንተ ኾነ ግና ከምቲ ንፋስ ብዙኅ ዘየርኢ፡ ኣብ ምግበ ንፋስ ዘለዉ ሕፃናትንውን ብዙኅ ዘስተውዕልዎ ነገር የልቦን።

 ሕፃናት ኣብ ዘመነ ንፋስ ስለ ዝርከቡ ዘይምፍላጥ የጥቅዖም። ንዝኃዝዎ ክቡር ነገር ዋጋ ንዘይብሉ ዘብለጭልጭ ነገር ንምልዋጥ ብቐሊሉ ይታለሉ። ነዚ ብምንጽጻር ከኣ ንሕና ከምቲ ኣብ ምግበ ንፋስ ዘሎ ሕፃን ኴንና ነቲ ሰማያዊ ዓለም በዚ ኃላፍን ዘብለጭልጭን ዓለም ከይንልውጥ፡ ካብ ሃይማኖት ናብ ጥርጥርን ናብ ክሕደትን ከይንምለስን ብኣእምሮ ሕፃናት ኪንከውን ከም ዘይብልናን፡ ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ከምዚ እናበለ ይመኽረና፦ “ደጊም ከም ሕፃናት ብናይ ሰብ ምጥባርን ምፍሓስ ስሕተት ተንኮልን ዚመጽእ ናይ ትምህርቲ ንፋስ ኔው ነጀው ኣይክንድፋእን ኣይክንክብከብን ኢና/” ኤፌ 4፡14/።

 ካብ ዕሥራ ክሳዕ 40 ዘሎ ዕድመ ድማ ናይ እሳት ባህርይ ጐሊሑ ዝረኣየሉ ስለ ዝኾነ “ዘመነ እሳት” ወይ ከኣ “ምግበ እሳት” ይበሃል። እዚ ንሰብ “ጐበዝ (ጐርዞ) በጽሒ መንእሰይ” ዘብሎ ዘመን እዩ። ካብዚ ምሥጢራውን ምሳልያውን ትምህርቲ ብምትንሣእ ንንእስነት “ናይ እሳት ዘመን” ወይ ከኣ “ፋየር ኤጅ” ምባል ካብ ቤተ ክርስቲያን ዚተረኽበ ደኣ እምበር ካብ ፀዓዱ (ካብ ኣሜሪካውያንን ኤውሮጳውያንን) ዚተረኽበ ኣይኮነን።

 ከምቲ እሳት ብሩህ ዝኾነ መንእሰያት ድማ ጽቡቕን ሕማቕን ዚፈልጡሉ ናይ ፍልጠት ብርሃን ኣለዎም። እንተ ኾነ ግና ከምቲ እሳት ንዅሉ ዚረኸቦ ኪበልዖን ኬቃጽሎን ዝደሊ፡ ከምኡ ድማ መንእሰያት ንዅሉ ዝብህጉን ትምክሕተኛታትን ይኾኑ። ካብ ኣርብዓ ክሳዕ ስሳ ዘሎ ዘመን “ዘመነ ማይ” ወይ ከኣ “ምግበ ማይ” ኪበሃል እንከሎ፡ ካብ ስድሳ ክሳዕ ሰማንያ ዘሎ ዘመን ድማ “ዘመነ መሬት” ወይ ከኣ “ምግበ መሬት (ሓመድ)” ይበሃል።

 ካብ ዕሥራ ክሳዕ ኣርብዓ ዘሎ ዕድመ ምግበ እሳት እኳ እንተ ተባህለ፡ ሓደ መንእሰይ ልክዕ ዕሥራ ዓመቱ ኪመልእ እንከሎ፡ እሳታዊ ባህርይኡ መጋቢነቱ ካብ ንፋሳዊ ባህርይኡ ይቕበል ማለት ኣይኮነን። ካብ ልዕሊ ዓሠርተ ዓመት ዘሎ ጀሚሩ እሳታዊ ባህርይ መጋቢነት ኣብ ኢዱ ንምግባር፡ ኪጽዕር እንከሎ፡ ንፋሳዊ ባህርይ ብወገኑ ድማ ቦታኡ ንኸይምንዛዕ እናተቓለሰ ክሳዕ መፋርቕ ናይ ዕሥራታት ኪቕጽል ይኽእል እዩ። ብምኽንያት ናይዚ ቅልስ እዚ እሳታዊ ባህርይ እንተ በርቲዑ፡ ናይ ጕብዝና ምልክታት ኣብ ዓሠርተ ኽልተ ዓመትን ትሕቲኡን ይኽሠቱ። ምግበ ንፋስ እንተ በርቲዑ ድማ ኣብ ውሽጢ ዕሥራታት ዘለዉ መንእሰያት ኣብ ክንዲ ጕብዝና ቊልዕነት ኬጥቅዖም ይርአ። ከምኡውን መግለጺ ናይ ጕብዝና ዝኾኑ ምልክታት ዘርእይሉ ጊዜያት ድንጉይ ክብል ይኽእል። ንንእስነት ብዓመታት ለኪዕኻ “ኣብ ከምዚ ጊዜ እዩ ዝኽሠት፡ ኣብ ከምዚ ጊዜ ድማ ይውድእ” ኢልካ ዚተወሰነ ኣኀዛዊ ቊጽሪ መረዳእታ ንምሃብ ኣሸጋሪ ዚገብሮ ኸኣ እዚ እዩ።

  ዘመነ እሳት (ጕብዝና) ትሕቲ ዕሥራ ዓመት ኪጅምር ከም ዝኽእል መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ዖዝያን ኪዛረብ እንከሎ  “ዖዝያን ወዲ ዓሠርተው ሽዱሽተ ዓመት በጽሒ ከሎ”  ብምባል የረድእ /2ይ ዜና 26፡1/። ጕብዝና ብዘይ ጥርጥር ክሳዕ ኣርብዓን ክሳዕ መወዳእታ ሠላሳታትን ወይውን ካብኡ ንላዕሊ ኪጸንሕ ከም ዝኽእል ድማ “ኢዮሳፍጥ ኣብ ይሁዳ ኺነግሥ ከሎ፡ ወዲ ሠላሳን ኃሙሽተን ዓመት በጽሒ ነበረ” ካብ ዝብል ቃል እግዚአብሔር ምርዳእ ይከኣል /2ይ ዜና 20፡31/።

Thursday 26 January 2017

ሕቶ ትርጕም ሓንቲ ቓል 5


2. ኣብ ምድሪ ንሓደ እኳ ኣቦይ ኣይትበሉ
እዚ ቓል እዚውን ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዚረኣናዮ ተመሳሳሊ ትርጕም ዘለዎ ደኣ እምበር ቃል ብቓሉ ወሲድካ ኺትርጐም የብሉን። ፍጹም ኣነ ከም ዘላታ እየ ዝወስዳ ንዝብል ሰብ ግና “ሙሴ፡ ኣቦኻን ኣዴኻን ኣኽብር፡ ነቦኡ ወይስ ነዲኡ ሕሱም ቃል ዜውፅእ፡ ሞት ይሙት፡ ኢሉ አሎ” /ማር 7:10 ዘፀ20፡12 ኤፌ 6፡2 ማቴ 19፡19/። ንሓደ እኳ ኣቦ ኣይትበሉ ስለ ዝበለ ነዚ ሕጊ እዚ ኣፍሪስካ ዶ ኸ ንኣቦኻ ወላዲኻ ኣቦ ኣይብለካን ኪትብሎ ኢኻ? ኣይትውዕሎን ግዲ ትኸውን! “ፊደል ይቐትል፡ መንፈስ ግና ሕያው ይገብር /2ቆሮ 3፡6/ ከም ዚተባህለ ናብ መንፈሳዊ ትርጕም ደኣ ንኺድ እምበር ጥረ ቓል ወሲድና እንጠፍእ ዓያሱ ውሉድ ኣይንኹን።

ቅዱስ ጳውሎስ “እምበኣርሲ ኣብርሃም ኣቦና፡ ብሥጋ እንታይ ረኺቡ፡ ክንብል ኢና” ይብል /ሮሜ 4፡1/። ኣብርሃም ደኣ ንቕዱስ ጳውሎስ ኣቦኡ ድዩ? እቲ ጳውሎስ ከይተወለደ ቅድሚ 2000 ዓመታት ኣቢሉ ዚነበረ ኣብርሃም ደኣ ከመይ ኢሉ ንቕዱስ ጳውሎስ ኣቦኡ ኪኸውን ከኣለ? ወይስ ቅዱስ ጳውሎስውን ተጋግዩ ኽንብል ኢና? እዚስ ካባና የርሕቆ!

ደጊሙውን ከምዚ ይብል “ነቶም ጽድቂ ምእንቲ ኪቝጸረሎም ኢሎም ከይተገዝሩ ኸለዉ ዚኣምኑ ዂሎም፡ ኣቦኦም ምእንቲ ኪኸውንሲ” /ሮሜ 4፡11/። ኣብዚ ድማ ኣብርሃም ኣቦ ግዙራት ጥራይ ዘይኮነ ኣቦ ናይ ኵሎም እቶም ብኣምላኽነት ናይ ኢየሱስ ክርስቶስ ዝኣምኑ ሰባት ከም ዝኾነ “ኣቦ ግዙራትውን ኪኸውን፡ ማለት፡ ነታ ንኣብርሃም ኣቦና ብዘይግዝረት ከሎ ዝነበረቶ እምነት፡ ኣሠርኣሰራ ንዚኸዱ እምበር፡ ካብ ግዝረት ንዘበሉ ጥራይ ኣይኰነን” ብዝብል ቃል ዝያዳ የነጽሮ /ሮሜ 4፡12/። እዚኸ ነቲ ኣብ ምድሪ ንዋላ ሓደ ኣቦ ኣይትበሉ ዝብል ቃል ዚጻረርዶ ይመስለና? ያእ ኣይፋሉን! እዚ ዝያዳ እኳ ደኣ ኣብ ትሕቲ እቲ ናይ ባህርይ ኣቦና እግዚአብሔር፡ መንፈሳውያን ናይ ጸጋን ናይ ሥጋን ኣቦታት ከም ዘለውና ዜብርህ እዩ።

ኣብ ሮሜ 4:16 ድማ “ኣብርሃም ከኣ ኣቦ ዂላትና እዩ” ይብል። ነዚ ቓል እዚ ኸ ትቕበሎ ዲኻ? ኣብርሃም ኣቦይ ትብልዶ ኣይትብልን? እሞ ኣቦኻ ደኣ እቲ ሓደ ኣብ ሰማይ ዘሎ ጥራይዶ ኣይኮነን? ቅዱስ ጳውሎስ ግና ነዚ ምድራዊ ኣቦ ንኣቦና ኣብርሃም “ኣቦ” ኢለ እንተ ጸዋዕኩዎ እቲ ሰማያዊ ኣቦ ኪስእኖ እየ፡ ወይ ጌጋ ይገብር ኣለኹ ኣይበለን። እኳ ደኣ ብኣንጻሩ ነቲ ሰማያዊ ኣቦና ዘኽበሩን ብመገዱ ኸኣ ንዝተመላለሱን ኣቦይ ኢልካ ዘይምጽዋዕ ኣብ መገዶም ዘይምህላውካ እዩ ዘነጽር።

ብልብኹም፡ ኣብርሃም ኣቦ አሎና፡ ከም እትብሉ ኣይምሰልኩም። ንኣብርሃምሲ ኻብዚ ኣእማን እዚ ውሉድ ኬተንስኣሉ፡ ንኣምላኽ ከም ዚከአሎ፡ እብለኩም አሎኹ” ብምባል ጐይታና ዚተዛረቦ ቃል ብኣንቃዕድዎ ምስ ንምርምሮውን፡ ኣእማን ዚተባህሉ እቶም ልቦም ከይኣምን ከም እምኒ ዚተረረን እምኒ ጸሪቦም ኣምላኽ ኢሎም ዜምልኹ ዚነበሩን ኣሕዛብ እዮም። ስለዚ ኣሕዛብውን ናብ እምነት እንተ መጺኦም ንኣብርሃም ኣቦ ኺብልዎ ከም ዝኽእሉ በዚ ኣረድኣና /ማቴዎስ 3:9/ ንስኻኸ ካብኣቶም ዶ ትሓምቕ ኢኻ?

 እቲ ነቶም ቅድሚኡ ዚነበሩ ኣቦታተይ እናበለ ኣሠሮም ዚተኸተለ ቅዱስ ጳውሎስ ንሱውን ንኣና ነቶም ኣብ መገዲ ክርስቶስ ዘለና ኣቦና እዩ። መን እዩ ሕጂ ቅዱስ ጳውሎስ ኣቦይ ኣይኮነን፡ ኣቦ ኢለ ድማ ኣይጽውዖን እየ ዝብል? እዝነ ልቦናኻ ኽፈት እሞ እዚ ክቡርን ንዑድን ዝኾነ ጳውሎስ እንታይ ከም ዝብለካ ስማዕ፦ “ብክርስቶስ ኣእላፋት መዕበይቲ እኳ እንተ ኣለዉኹም፡ ኣነ ብክርስቶስ የሱስ ብወንጌል ወሊደኩም እየ እሞ፡ ብዙኃት ኣቦታትሲ የብልኩምን። እዚ ዝጽሕፈልኩም ዘሎኹ፡ ከም ፍቁራት ደቀይ ገይረ ኽምዕደኩም እየ እምበር፡ ኬኅፍረትኩም ኢለ ኣይኰንኩን /1ይ ቈረንቶስ 4:14–15/። “ብወንጌል ወሊደኩም እየ..ብዙኃት ኣቦታት የብልኩምን? ብምባል ብግልጺ ኣቦኾም እየ ይብለና ኣሎ። እሞ ኣቦና ኣይኮንና ኢልናዶ ንካትዓዮ? እዚስ ኣይ ናይ ጥዕናን። እሞ ኣነስ ኣብዚኣ እየ ዝደርቕ ናይ ቅዱስ ጳውሎስ ቃል ኣይሰምዕን እየ ንዝብል ግና ካልእ ወንጌል ኂዞም ብዝመጹ ሰባት ልብኻ ተባሒቱ ኣሎ እሞ ቅጽዓቱ ከይረኽበካ ቀልጢፍካ ህደም ኢለ እየ ዝምዕድ። እቲ ምንታይሲ “እዚውን ገለ ዜዕገርግሩኹምን ነቲ ወንጌል ክርስቶስ ኪልውጥዎ ዚደልዩን ከም ዘለዉ ማለት እዩ እምበር፡ ካልእ ወንጌልሲ ኣይኰነን። ግናኸ ንሕና እኳ እንተ ዀንና ወይስ መልኣኽ ካብ ሰማይ፡ ብዘይ እዚ ንሕና ዝሰበኽናልኩም ወንጌል ካልእ ወንጌል እንተ ሰበኸልኩም፡ ንሱ ውጉዝ ይኹን” ዝብል ቃል ናይቲ ሓዋርያ ትዝ ስለ ዝብለኒ / ገላ 1፡7-8/።

ደጊሙውን “ብዛዕባ እቲ ኣብ መቕውሔይ ኰይነ ዝወለድክዎ ወደይ ኦኔስሞስ እልምነካ አሎኹ” ይብል /ፊልሞና1:10/። ኣብዚኸ እንታይ ማለቱ እዩ? ቅዱስ ጳውሎስ ዘይተመርዓወን ድንግልን እዩ። ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኾይነ ዝወለድኩዎ ዝበሎ ደኣ እንታይ ማለቱ እዩ? ሰለዚ ቅዱስ ጳውሎስ ንኦኔስሞስ ምሂሩ ወዱ ስለ ዝገበሮ ወደይ እንተበሎ ደኣ መን እዩ ተጋጊኻ ኣሎኻ ኦኔስሞስ ወዲ ክርስቶስ እምበር ወድኻ ኣይኮነን ዝብሎ? ኦኔስሞስ ንቕዱስ ጳውሎስ ኣቦይ እንተ በሎኸ መን እዩ ተጋጊኻ ኣቦና እቲ ናይ ሰማይ ጥራይ እዩ እናበለ ኪማጎቶ ዝኽእል? ከምዚ ዝገበርሲ እቲ በዓል ካልእ ወንጌል ንሱ እዩ።

መኣስ እዚ ጥራይ ፍቁረ እግዚእ ድንግል ንጹሕ ቅዱስ ዮሓንስውን “ኣቱም ደቀየ፡ ኃጢኣት ምእንቲ ኸይትገብሩ፡ እዚ እጽሕፈልኩም አሎኹ” ይብል /1ይ 2፡1/። እሞ ኣቦና ኣይኮንካን ደቀይ ኣይትበለና እናበለት ምስ ሓዋርያ ዮሓንስ ትከራኸር ልሳን ደኣ ከመይ ዝበለት እያ? ደጊሙውን እዚ ሓዋርያ “ኣነ እቶም ደቀይ ብሓቂ ኸም ዚመላለሱ ኻብ ምስማዕ ዚዐቢ ሓጐስ የብለይን” ይብለና  /3ይ ዮሓ1.3-4/።

ናብ ብሉይ ኪዳን ምስ ንምለስ ድማ “ኤልሳእ ከኣ እዚ ርእዩ፡ ኣቦይ፡ ኣቦይ፡ ሠረገላ እስራኤልን ፈረሰኛታቱን፡ ኢሉ ጨደረ። መሊሱ ድማ ኣይረኣዮን። ነቲ ኽዳውንቱ ኂዙ ኸኣ ኣብ ክልተ ተርተሮ” መንፈስ ነቢያት ዘለዎ ሰብ ከም ናይ ነቢይ ኤልሳዕ ነቶም ሃይማኖቱ ብዝግባእ ዝመሃርዉ መምህራኑ ኣቦይ እናበለ ከም ዝጽውዕ ዘጠራጥር ኣይኮነን /2ይ ነገስት 2:12/

"እዚኣቶም ድማ ከምቶም ኣኅዋቶም ደቂ ኣሮን ኣብ ቅድሚ ንጉስ ዳዊትን ጻዶቅን ኣሒሜሌክን ዋናታት ማይ ቤት ኣቦታት ካህናትን ሌዋውያንን፡ እቶም ኣውራታት ማይ ቤት ኣቦታት ምስቶም ናእሽቱ ኣሕዋቶም ማዕረ፡ ዕጭ ተዋደቑ” ዝብል ቃልውን ካህናት ኣቦታት ከም ዝበሃሉ ብንጹር ኬረድኣና ዝኽእል ቃል እዩ።1ይ ዜና መዋእል 24:31

 ስለዚ በዚ ዅሉ ዚረኣናዮ መለክዒታት ንሕና ደቂ ነቢያት ደቂ ሓዋርያት ደቂ ሰማዕታት ደቂ ሊቃውንት ደቂ ጻድቃናት ደቂ ጳጳሳት ደቂ ካህናት ደቂ ኣብርሃም ደቂ ጴጥሮስ ደቂ ቅዱስ ጊዮርጊስ ደቂ ዮሓንስ አፈወርቅ ደቂ ጳጳሳትን ካህናትን ..ኢና። ንሳቶም ድማ ብርግጽ ናይ መንፈስ ኣቦታትና እዮም።

ስለዚ ኣቦ ዝብል ቃል ንብዙኅ ዝውክል ቃል ከም ዝኾነ ነስተውዕል። ንኣብነት፦
1. ንእግዚአብሔር 
2. ንመንፈሳውያን ኣቦታት 
3. ብሥጋ ንዝወለዱኻ ኣቦታት 
4. ብዕድመ ንዝዓብዩኻ ኣቦታት
5. ከም ኣቦ ኾይኖም ዘዕበዩኻ ኣቦታት
6. ብኣባሊጋነት ንዝኃዙኻ ኣቦታት ወ.ዘ.ተ ኪጥቀሱ ይከኣሉ።

ስለዚ “ኣቦ ኣይትበሉ መምህር ኣይትበሉ” ዝብሉ ቓላት ብመንፈሳዊ ትርጕሞም ደኣ ንውሰዶም እምበር ብጥረ ቓል ኪንጋገ ኣይግባእን።  ኣብ ሓደ ሓደ ናይ መናፍቓን ስብከት “ፓትርያርክ” “ኣቦ እምነት" ንዘብል ስም ብምኃዝ፡ እዚ ማለት ኣቦ ማለት እዩ፡ ናይ ኣምላኽ ስም ትህብዎ ኣለኹም፡ ከም ኣምላኽ ኢኹም ትርእይዎም ዝብል ግጉይ ትምህርቲ ኪምህሩ ይስምዑ እዮም። ንሰባት ናይ ሓቂ ወንጌል ኪምህሩ ዓቕሚ ስለ ዘይብሎም ከምዚ ሓሶታት እዚ እናኣለሙ ካብ መገዲ ሓቂ ንምርሓቕ ዚጥቀምሉ ሜላ ብምዃኑ ድማ ኣዝዩ ዘኅዝን እዩ። እምበር ንሕና ብዘይካ ነቲ መድኃኒና ዝኾነ ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ንዋላ ሓደ ኣምላኽ ኢልና ነምልኾ ፍጥረት የልቦን።

ሽግርኩም ኣቦ ዝብል ቃል ምስቲ ናይ ባህርይ ኣቦና ምስ ናይ እግዚአብሔር ስለ ዚተመሳሰለ ድዩ? ተኻፈልቲ መለኮታዊ ባህርይ ከም ዝኾንናዶ ኣይትኣምኑን ኢኹም? እስከ ነዚ ቓል ስምዕዎ “ንኣኻ ኣብ ቅድሚ ፈርዖን ኣምላኽ ገበርኩኻ” /ዘፀ 7፡1/ ኣብ ሕግኹም፥ ኣነ፥ ኣማልኽቲ ኢኹም፡ በልኩ፡ ዚብልዶ ኣይተጻሕፈን እዩ፧ነቶም ቃል ኣምላኽ ዝመጸሎም ኣማልኽቲ ኻብ ዚብሎም፡ -ጽሑፍ ኪፈርስ ኣይከኣልን እዩ፦ነቲ ኣቦ ዝቐደሶ ናብ ዓለምውን ዝለኣኾ ግዳ፡ ወዲ ኣምላኽ እየ ስለ ዝበልኩኹም፡ ከመይ ኢልኩም፥ ትጻረፍ አሎኻ፡ ትብሉኒ አሎኹም፧”(ዮሐ 10፡34-37) 

 በሉ ዕረፉ ሙሴ ኣምላኽ ተባሂሉ ሕጂ ንሓደ ናይ ሙሴ ማዕርግ ዘለዎ ኣቦ ኣምላኽ እንተ ንብሎስ እንታይ ኮን ምበልኩም? መኣስ እዚ ጥራይ መጽሓፍ ቅዱስ “ሓንቲ እምነት ሓንቲ ጥምቀት ሓደ ጐይታ” ይብል /ኤፌ 4፡5/። ኣብርሃም ያዕቆብ ሙሴ ቅዱስ ሚካኤልን ካልኦትን ድማ ጐይታ ተባሂሎም ኣለዉ /ኢያ 5፡13-15 ዘኁ 12፡1- ፍጻሜ (1ይ ጴጥ 3፡6) ወ.ዘ.ተ ብዙኅ ኪንጠቅስ ንኽእል ኢና። ንጠቢብ ሓንቲ ቓል ትኣኽሎ  እናበልና ግና ከነሕጽሮ ኢና።

ብሓጺሩ ኣቦነት ናይ እግዚአብሔር ናይ ባህርይኡ እዩ ንቕዱሳን ድማ ብጸጋ ሃበ
ኣምላኽነት ናይ እግዚአብሔር ናይ ባህርይኡ እዩ ንኣና ድማ ብጸጋ ሃበና
ጐይቶትነት ናይ እግዚአብሔር ናይ ባህርይኡ እዩ ንኣና ድማ ብጸጋ ሃበና
መምህርነት ናይ እግዚአብሔር ናይ ባህርይኡ እዩ ንኣና ድማ ብጸጋ ሃበና
ቅዱስ ኮይኑ ቅዱሳን ገበረና
ብርሃን ኮይኑ ብርሃናት ገበረና ወ.ዘ.ተ ንሱ ዘይነፈገ ንስኻትኩም በቲ ዝሃበና ልግስን ጸጋን ኣይትቕንኡ።

ቅዱስ ጂሮም፦ “ንሓደ ሰብ ናይ ባህርይ ኣቦ ወይ መምህር ክትብሎ እንከለኻን ንኣኽብሮት ጥራይ ክትብሎ እንከለኻን ፍልልይ ኣለዎ። ንሓደ ሰብ ኣቦ ኢልና ኪንጽውዖ እንከለና፡ እዚ ንዕድሚኡ ኣኽብሮትን ተኣዛዝነትን እዩ። መምህር ኢልና ኪንጽውዖ እንከለና ድማ ነቲ ሓቀኛ ትምህርቲ ስለ ዘካፍለና ጥራይ እዩ” ብምባል ዝመሃረናውን ነዚ ዝያዳ ዘብርህ እዩ። 

ኣብ መወዳእታ ጐይታና ነተን ቃላት ከምዚ እናበለ እዩ ዓጽይወን፦ “እቲ ኻባኻትኩም ዚበልጽሲ ግዙእኩም ይኹን። ርእሱ ዘልዐለ ኪሓስር፡ ርእሱ ዘትሐተ ኸኣ ልዕል ኪብል እዩ” /መቴ 23፡11-12/። እዚ ድማ መምህር ንምባል፡ መራሒ ንምዃን፡ ኪቀዳደሙ ከም ዘይብሎም መምሃራን ኢና መራሕቲ ኢና ኣቦታት ኢና ኪምክሑውን ከም ዘይግብኦም ብኣንጻሩ ትሑታትን እዙዛትን ንምዃን ዝመሃሮ ትምህርቲ ደኣ እምበር፡ “መምህር ኣቦ መራሒ” ዝብላ ቃላት ኣብ ገጽ ምድሪ ፈጺምኩም ከይትጥቀሙለን ማለቱ ኣይነበረን። ከምኡ እንተ ኾይኑ ናይ ቊጽሪ መምህርካ እንታይ ኢልካ ኢኻ ኺትጽውኦ? ኣቦኻ ኸ? ንመራሒኻ ኸ? አረ ኅልፍ ዝበለ “ንምንታይ ሕያዋይ ትብለኒ ብዘይካ ሓደ ኣምላኽ ሕያዋይ የልቦን” /ማር 10፡18/። ነዚ ቃል እዚ ዚተዛረቦ ክርስቶስ እዩ። እሞ ንሱ ሕያዋይ ኪበሃል ግቡእ ኣይኮነን ድዩ? ሕያዋይ ከ ኣይኮነን ድዩ? ኣምላኽከ ኣይኮነን ድዩ? ኢየሱስ ባዕሉ ብዘይካ ሓደ ኣምላኽ ሕያዋይ የልቦን ስለ ዝበለ ንሱ ኣምላኽ ኣይኮነን ዶ ኽንብል ኢና? ከምዚ ካብ ምባል ይሠውረና።


“አንቲ ጓለይ እዚኣስ ዘማሪት ድያ ወይስ ኣዝማሪት?” 1ይ ክፋል

ሎሚ ካብታ ኣዝየ ዘፍቅራ ዓባየይ ዚተመሃርክዎ ምህሮ እየ ኼካፍለክን። ዓባየይ ንኣይ መሓዛይ ኣደይ መምህር ሃይማኖተይ ኮታስ ዓባየይ ንኣይ ኵሉ ጽቡቕ ነገር ኢያ። እዚ በጺሐዮ ዘለኹ ናይ መንፈሳዊ ሕይወት ደረጃይ ዋላ እኳ ዝነኣድን ዘኹርዕን እንተዘይኮነ፡ ናይዚ ምንጪ ግና ካብ ሕፃንነተይ ኣትኂዛ ትምህርቲ ቤተ ክርስቲያንን ሥነ ምግባርን እናመሃረት፡ ናብዚ በጺሐዮ ዘለኹ ደረጃ ከም ዝበጽሕ ዝገበረት ዓባየይ ኢያ። ዓባየይ ኣብ ኤርትራ ገዲፈያ ናብ ስደት ካብ ዘምርሕ ዳርጋ ሽዱሽተ ዓመተይ ኮይኑ ኣሎ። ብድኅሪ ዓባየይ ግና መንፈሳውነተይ ተዘሪጉ፡ ኣይ ኣብ ዓለም ኣይ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ንኽልቲኡ እናደባለቐኩዎ ተሓዋዊስኒ ኢዩ ነይሩ። ብቐትሪ ክዝምር ይውዕል ብለይቲ ድማ ክደርፍ ይሓድር፡ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ልብሲ መዘምራን ጌርካ ምዝማር ይሰማምዓኒ፡ ኣብ ጓይላ ድማ ነቲ ቤት መቕደስ ዝኾነ (ሰብነተይ) ሕምብርተይ ቀሊዐ ነተን ቀርቃራት ዳንጋይ ከፊተ፡ ኣጥባተይውን ብዝተፈላለየ ምኽንያት ተኸፊቱ ካልኦት ሰባት ከም ዝርእይዎ ንምግባር ብርቱዕ ጻዕሪ ኢየ ዘካይድ። ኣተሓሕዛ ጸጕረይውን ብዙኅ ዓይነት ኢዩ፡ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ከም ዕፉን ብግዲ ምሽፋን ኢዩ፡ ንደገ ምስ ወፃኹ ግና እንታይ እንታይ ዘይመስለልኩም፡ ሓንሳብ ሓንሳብ ነቲ ኣብ ዓዲ እንከለኹ ዓጺደ ዝእክቦ ዝነበርኩ ጭራሮ (ናይ ቊሚጦ) ኢየ ዘምስሎ፡ ሓንሳብ ድማ ዚተፈላለየ ሕብሪ እናስተኹ ነተን ዓባየይ ስፈ ክትሰፊ እንከላ ዝዕድገላ ዝነበርኩ ቂሐ ጽልሚ እየ ዝመስለልኩም።

 ብኸምዚ መገዲ ናብዝን ናብትን እናበልኩ መርገጽየይ ከይነጸረ፡ ጕራ ጕራ ለምጻም ኮይነ ዝኃለፍኩዎም ዘመናት፡ ኵሉ ሰብ “እንታይ እያ እዚኣ ንፍስቲ መንፈሳዊት” እናበለ ይጽውዓኒ ከም ዝነበረ ሕጂ ሕይወተይ ብዓባየይ ዳግማይ ምስ ተሓደሰ ኢዩ ተረዲኡኒ።

 ዓባየይ ኣብ እርጋና ከቢድ ሕማም ስለ ዝሓመመት ኣብ ኤርትራ ክትሕከም ስለ ዘይተኻእለን ንዝበለጸ ሕክምና ናብዚ ዘለናዮ ምዕራባዊ ዓለም ብምምጻእ ኣብ ሽዱሽተ ዓመተይ ገጻ ኽርኢ በቒዐ። ሕክምናኣ ኣብ ዝሓጸረ ጊዜ ኢያ ወዲኣቶ። ብምሕረት ኣምላኽ ቀልጢፋ ስለ ዝሓወየት ኣብ ገዛና ምሳና ንኣስታት ሠለስተ ወርኂ ዝኣክል ተቐመጠት። ዓባየይ ንኣይ ብምርኣያ ሕጕስትን ኅዝንትን ኢያ ነይራ። ኣብ ነዊኅ ዓመት ብኣካል ብምርኻብና ከሐጕሳ እንከሎ፡ መንፈሳዊ ሕይወተይ ናብ ዝተሓተ ደረጃ ወሪዱ ንሽሙ ጥራይ ዘማሪት ተባሂለ ኺጽዋዕ ክትርእየኒ እንከላ ግና ከቢድ ኃዘን ኢዩ ተሰሚዕዋ። “ዓባየይ ኣምላኽ ጥዑም ኢዩ፡ ቀልጢፍኪ ሓዊኺ” ክብላ እንከለኹ፡ “እዛ ጓለይ ናተይ ሕማም ናይ ሥጋ ሕማም እዩ ነይሩ፡ ንሱ ካብ ሞት ዘይኃልፍ ሕማም እዩ፡ ንስኺ ግና ናይ ነፍሲ ሕማም ኣለኪ፡ ካብዚ ሕማምኪ እንተዘይተፈዊስኪ ናትኪ ሞት ዕረፍቲ የብሉን” ብምባል እያ መሊሳትለይ። ንኣይ ግና ኣዘራርባኣ ንጊዚኡ ብዙኅ ኣይነጸረለይን።

  ሓደ ካብ መዓልታት ናይ ሓንቲ መሓዛይ መርዓ ተዓዲምና ንዓባየይውን ናብቲ መርዓ ምሳይ ኂዘያ ይኸደልኩም። እንታይ እሞ ነቲ ኣብኡ ዝነበረ ሕዝቢ ብፍላይ ድማ ደቂ ኣንስትዮ ዝዝኽደናኦ ናይ ሕስራን ክዳውንትን ካብ መጠን ዝኃለፈ መጋየጺታትን እናረኣየት ብጓሂ ሕማማ ኸይደግሳ ኢኻ ትፈርህ። ናብ እዝነይ ቅርብ ኢላ ድማ እዛ ጓለይ በጃኺ ኢለኪ ካብዚ ኣፍ ደገ ሞት ኣውፂእኪ ንገዛይ ምለስኒ ክትብል ጀሚራ፡ ኣነ ግና ናይ ምስዕሳዕ ክቱር ድሌት ስለ ዝነበረኒ ሐራይ ዓባየይ ዕሰሌ ይበሉ እሞ ክንብገስ ኢና እናበልኩ ቊሩብ ክትዕገሥ ከም ዘለዋ ከመልክተላ ጀመርኩ። ገና ዘረባና ኸይወዳእና መርዓውቲ ኣትዮም ዳስ ብጓይላን ሆይ ሆይታን ክርበሽ ጀመረ። መርዒት መሓዛይ ድማ ኣይንርኣያ፡ ንሥነ ጽባቐ ኢላ ዝገበረቶ መጋየጺ ንሥነ ጽያቐ ኮይንዋ እያ መጺኣ። ዓባየይ ነዚ ርእያ ብምግራም ኣንቲ ጓለይ እዚኣስ መሓዛኺ ድያ ብሓቂ? እንታይ እዮምከ ክለኽይዎ ውዒሎም እቲ ገጻ ሓሙኽሽቲ መሲሉ? እቲ ኸንፈራኸ እንታይ ኢዩ ዝመስል እንታይ ቀይሕ መይሕ እዩ? እስከ እዚኣስ እንታይ እያ ኽትበሃል ሕጂ መርዓት ድያ ወይሰ ሓመደይቲ ጭርናዕ? ብምባል ንመሓዛይ ብሓደ ጊዜ ኣብ ምድብ ኣዕዋፍ ጠርነፈታ። ናይ ሥነ ፍጥረት መምሃራንና ነዘን ከምዚኣተን ዓይነት ኣዋልድ መበል 23 እናበሉ እዮም ዚጽውዕወን። ኣነ ድማ ንእሽተይ ንምክልኻል ዝኣክል "ኣንቲ ዓባየይ እቶም እንዳ ሜክ ኣፕ እዮም እኮ ከምኡ ጌሮም ኣባላሽዮምዋ፡ ኣጋጣም ዘይክእሉ ረኺባ እያ ትኸውን" ብምባል መለስኩላ። 

 ዓባየይ ግና "ኣንቲ ጓለይ ተዛሪበ ኢልኪ ዲኺ እዚኣ እኮ ባምቡላ ወይ ገረብ ኣይኮነትን፡ ባምቡላን ገረብን ጥራይ እዮም ሰብ ዘእተወሎም ክዳን ስቕ ኢሎም ዝኽደኑ ሰብ ዝቐብኦም ሕብሪ ድማ ስቕ ኢሎም ዝቕበሉ፡ እዚኣ እኮ ምስሊ ናይቲ ቅዱስ እግዚአብሔር ዝኾነት ክብርቲ ፍጥረት ኢያ፡ ደሓር ከኣ ካብቲ እግዚአብሔር ዝሃባ ናይ ተፈጥሮ መልክዕ ዝበልጽዶ ካብ ሰብ ክትረክብ ሓሲባ እያ። ንምንታይ እያ ነቲ ኣምላኽ ዝሃባ መልክዕ ኣሜን ኢላ ካብ ምቕባልሲ ዘይንሳ ንምምሳል ከም መለሊኽ ናይ ማኅበር ቦያታት ክትልከ ዝወዓለት?" ብምባል ገጻ ካባይ ምልስ ኣቢላ ናብቲ ጓይላ ጠመተት እሞ ንመሓዛይ እትገብሮ ዅሉ ምንቅስቓሳት ክትዕዘብ ድኅሪ ምጽናሕ፡ "ኣንቲ ኸመይ እናበለት እያኸ ትስዕስዕ? ነዚኣስ ኣበይ ፈሊጥክያ ኢኺኸ መሓዛይ ትብልያ?" ዝብሉ ሕቶታት ኣከታቲላ ምስ ኣቕረበትለይ በታ ቐዳመይቲ ሕቶኣ ኣነ ክስዕስዕ ከም ዘይብለይ ንነብሰይ ተቓሊሰ ከእምና ተገዲደ፡ ምኽንያቱ ናይ ዘይትፈልጦም ሰባት ከምዚ  ገይሩ ካብ ኣቖጥዓ፡ ናተይ ናብ ምንታይ ከም ዘብጽሓ ንምግማት ዘአግም ኣይነበረን። ነታ ኻልአይቲ ሕቶኣ ግና፡ "ኣቲ ዓባየይ መሓዛይ ኢያ እናበልኵኺ ኣበይ ክፈልጣ ደኣ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ምሳይ “ዘማሪት” እኮ ኢያ"። ምስ በልኵዋ "ገደደደ..'ዘማሪት'? ኣንቲ ጓለይ ክትቆጻጻ እንከላ እሞ ጽቡቕ ጌርኪ ርኣይያ፡ እዚኣስ ዘማሪት ድያ ዋላስ ኣዝማሪት?” እናበለት ክሳዳ ናብ መንኩባ ቁጽይ ኣቢላ ኣፋ ብኢዳ ኸዲና ኣብ ዓቢይ ምግራም ኣተወት። ሽዑ ኣነ..


Wednesday 25 January 2017

ናይ ቅዱስ ዮሓንስ አፈወርቅ ሕይወቱን ትምህርቱን መበል 24 ክፋል

 ኣብዚ ጊዜ እዚ ጳጳሳትን ካህናትን ዲያቆናዊታትን ኵላቶም እቲ ዚፈትዉዎ ኣቦኦም ክፍለዮም ብምዃኑ ኣብ ዓሚቚ ኃዘን ወደቑ። ገሊኣቶም ይበኽዩ፡ ካልኦት ድማ ኣብ ናይ ሓሳብ ባሕሪ ጥሒሎም ኮታስ ኵሉ በብመገዱ እቲ ዅነታት ዝፈጠሮ ኃዘን ይገልጽ ነበረ። ኦሎምፒያስን ካልኦት ዲያቆናውያትን ብንብዓት እናተሓጸባ ኣብ እግሩ ወደቓ። ሽዑ ሓደ ካብቶም ካህናት ጸዊዑ እቲ ኣብ ዙርያኡ ከም ዘብዐኛ ኾይኑ ከቢቡ ዝሕልዎ ዘሎ ሕዝቢ ነቲ ዅነታት ሰሚዑ ረበሻ ምእንቲ ኸይፈጥር ነዚኣተን ካብዚ ውሰደን በሎ። ንሳተን ድማ ብኃይሊ ብዝከኣለን መገዲ ነብሰን ኣረጋግኣ። ኣብ መንጎ እቶም ነቲ መንበረ ጵጵስና ብዙርያኡ ከቢቦም ዚሕልዉዎ ዚነበሩ ሕዝብን ኣብ መንጎ ወተሃደራት መንግሥትን ባእሲ ተፈጢሩ ደም ምእንቲ ከይፈስስ ብምባል፡ ናብቲ ሕዝቢ ብብዝኂ ተኣኪቡዎ ዚነበረ ናብ ሸነኽ ምዕራብ ናብ ዚነበረ ናይቲ ቤተ ክርስቲያን ኣፍ ደገ ዝኸይድ መሲሉ ናብ ምብራቕ ኣቢሉ ብምዕጻፍ፡ ነቶም ንእኡ ንምስዳድ ተቐሪቦም ዚነበሩ ወተሃደራት ባዕሉ ከደ። ንሳቶም ድማ ብለይቲ ናብ ገምገም ባሕሪ ወሰድዎ። ካህናትን ዲያቆናትን ምእመናንን ካብ ቤተ ክርስቲያንን ከካብ ቤቶምን እናተወስዱ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ተደርበዩ። ኣብ ኵሉ ቦታታት ዚነበሩ ቤት ማእሰርቲ ብክርስቲያን ተመልኡ። ቤት ማእሰርቲ ናብ ቤተ ክርስቲያን ተቐየሩ። ኣብ ክንድኡ መተካእታ ክሽየሙ በዓል ኣውዶክስያ ዘዳለዉዎም ንኣርኪዮስን ኣቲከስን ዚተባህሉ ናይ ቤተ መንግሥቲ መዳኸርቲ ኣፍልጦ ሃብ ምስ ተባህለ፡ ኣፍልጦ ኣይህብን እየ በለ። ቤተ ክርስቲያን መሰላ ዚሐልወላ ሓቀኛ ኣቦ ኪትስእን ዚጀመረት፡ ንመራሒኣ ነገሥታት ከም ዝደለዩዎ ምሻምን ምስዓር (ምውራድን) ካብ ዝጅምሩ እዩ።

ከምዚኦም  ብናይ ወይዘራዝርን መኳንንትን ብፍቓድ ዝሽየሙ ሰባት፡ ኣብ ቤተ መንግሥቲ ትኪ ክተክኽ ከሎ ኣዕይንቶም ኣቐዲሙ ዚነብዕ፡ ናይ ቤተ ክርስቲያን (ናይ ምእመናን) ትርግታ ልቢ ዘይኮኑስ ናይቶም ዝሸሙዎም ነገሥታት ድሌታት ክሰምዑን ክፍጽሙን ዝነብሩ እዮም። መራሕቲ ኺጋገዩ እንከለዉ ግደፍ ኢሎም ዝቚጥዑሉ ሞራል ይኹን ኃይሊ ስለ ዘይብሎም፡ ሰበሥልጣናት ዝደለዩዎ ኺገብሩ እንከለዉ፡ ነቲ ናይ ግፍዒ ጽዋዕ ካብ ምብራኽ ኃሊፎም “ግደፍ ግቡእ ኣይኮነን” ንምባል ኮነ ንምግሣፅ ሕልና ይኹን ኃይሊ የብሎምን። ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ጓሶት ዘይኮኑስ ሰብ ዓስቢ እዮም /ዮሐ 10፡11-13/። ነዚ ድማ እዩ ቅዱስ ዮሓንስ ኣፈወርቅ በዓል ኣውዶክስያ ንርእሰን ይጠቕሙና እዮም ኢለን ንምሻም ንዘዳለዋኦም ሰባት ኣፍልጦ ንኽህብ ምስ ተሓተተ ፍቓደኛ ዘይኮነ። ምኽንያቱ ናይ ቤተ ክርስቲያን ኣካይዳ ከምዚ ኪኸውን ስለ ዘይግባእ። እዚ ድማ ተወሳኺ ከቢድ ወንጀል ኮይኑ ተቖጽረሉ። 

ንእኡ ካብ ቤተ ክርስቲያን ኂዞምዎ ምስ ወፁ ሽዑ ንሽዑ ሓዊ ተላዒሉ ነቲ ቤተ ክርስቲያንን ንመንበረ ጵጵስናን ናይ መንግሥቲ ናይ ሕጊ መወሰኒ ቤት ምኽርን ካልኦት ሕንፃታትን ብምልኦም ኣቃጸሎም። እቲ ሓዊ ካብ ትሕቲ እቲ ቅዱስ ዮሓንስ ኣፈወርቅ ዝምህረሉን ኮፍ ዝብለሉን ዚነበረ መንበር እዩ ጀሚሩ። ጳላድዮስ ከም ዝገልጾ እቲ ሓዊ ብምኽንያት ስደት ናይዚ ቅዱስ ኣቦን ቤተ ክርስቲያን ብዝበጽሓ መከራ ኃዚኖም ዚነበሩ ሕዝቢ ከይተንከፈ ከም ድልድል ብልዕሊኦም ዋላ ሓንቲ ከይጐድኦም እናኃለፈ እናመረጸ ዘቃጽል ተኣምራዊ ባርዕ ከም ዚነበረ ይገልጽ። በዚ ምኽንያት ድማ “ንሕና ኢና ኣቃጺልናዮም” ኢሎም ምእንቲ ክኣምንሎም ነቶም ምስኡ ይቐርቡ እዮም ዝበሃሉ ሰባት ዚተፈላለየ ስቓይን ምግቡዕባዕን ጌሮም እኳ እንተፈራርሕዎም ኪኣምኑሎም ግና ኣይከኣሉን።

እቶም ኣብ ቅዱስ ዮሓንስ ኣፈወርቅ ብዝነበሮም ተኣማንነት ዝቐጸሉ ካህናትን ጳጳሳትን፡ በቶም ብበዓል ኣውዶክስያ ዚተሸሙን ናይ ቤተ ክርስቲያን ዘይኮነስ ናይቶም ዚሸምዎም ነገሥታት ፍቓድ ዝፍጽሙ ጳጳሳት፡ ካብ መንበሮም ከም ዝስደዱ ብምግባር ተሰጎጉ። ናይ ሮማ ሊቃነ ጳጳሳት ኢኖሰንት ጉባኤ ብምግባር ቅዱስ ዮሓንስ ኣፈወርቅ ከም ዚስደድ ምግባሩ ሕጋዊ ከም ዘይኮነ ብምግላጽ ናብ መንበሩ ኪምለስ ከም ዘለዎ ወሰነ። እቲ ንቕዱስ ዮሓንስ ኣፈወርቅ ከም ዝስደድ ዝገበረ ሲኖዶስ ግና ዘይሕጋውን ውግዙን እዩ በለ። ንቕዱስ ዮሓንስ ኣፈወርቅ ብዝወረዶ ስደት ኃዘኑ ብምግላጽ ድማ ዜጸናንዕ መልእኽቲ ጸሓፈሉ። ንጉሥ ኣርቃዴዎስውን ብዛዕባዚ ሓፈሻዊ ጉባኤ ንኽግበር ኣተሓሳሰበ። ናይ ምዕራባዊ ክፋል ናይ ሮማ ንጉሥ ዚነበረ ኃዉ ንንጉሥ ኣርቃዴዎስ ዝኾነ ንጉሥ ኣኖሬዎስውን (ብ395-423 ዓ.ም) ኣብ ልዕሊ ቅዱስ ዮሓንስ ኣፈወርቅ ዚተፈጸመ ነገር ምስ ሰምዐ ብምኅዛን፡ እዚ ብቴዎፍሎስ ዚተፈጸመ ነገር ኣዝዩ ዘኅዝን ምዃኑ ብምግላጽ፡ ናይ ምብራቓዊ ክፋልን ምዕራባዊ ክፋል ናይ ሮማ ጳጳሳት ዝርከቡሉ ሓደ ኣጠቓላሊ (ኃባራዊ) ሲኖዶስ ንኽእከብ ጻውዒት ከቕርብ ንኃዉ ንጉሥ ኣርቃዴዎስ መልእኽቲ ለኣኸሉ። እቲ መልእኽቲ ከምዚ ዚስዕብ ዝብል ነበረ፦

“ነቲ ኣብ ልዕሊ ናይ ቁስጥንጥንያ ፓትርያርክ ቅዱስ ዮሓንስ ኣፈወርቅ ዚተቐነባበረ ተንኮልን ዚወረዶ ግፍዕን ዘስተኻኽልን፡ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ድማ ፍትሕን ሰላምን ከም ዝሰፍን ዝገብርን ግቡእ ዝኾነ ናይ ምትዕርራይ ስጉምቲ ንኽትወስድ ብምልማን ንኣኻ ንኽቡር ንጉሥ ዚጽሕፈልካ ዘለኹ እዚ ንሣልሳይ ጊዜ እዩ፡ እንተ ኾነ ግና ክሳዕ ሕጂ ዋላ ሓንቲ ነገር ኣይተገበረን። ንናይ ቤተ ክርስቲያን ሰላምን ውሕስነትን ካብ ዘለኒ ጭንቀት ዚተላዕለ፡ ኣብ ግዝኣትካ ኣብ ምብራቕ ዘለዉ ጳጳሳት ኣብ ተሰሎንቄ ከም ዝእከቡ ንኽትገብር ሕጂውን ደጊመ እጽሕፈልካ ኣለኹ፡ ብወገን ምዕራብ ግና ንሕና ድሉዋት ኢና። ...ኣብ ምዕራባዊ ሸነኽ ዘለዉ ጳጳሳት ንሊቀ ጳጳሳት ዮሓንስ ዘለዎም ስምዒት ንኽትርዳእ፡ ንእኡ ብዝምልከት በቲ ወሪድዎ ዘሎ ብምኅዛን ቅልጡፍ ናይ ምትዕርራይ ስጉምቲ ኽወስድ ከም ዘለኒ ዝለኣኹለይ ደብዳቤ ምስዛ ናተይ ደብዳቤ ኣተኃኂዘ እሰደልካ ኣለኹ። ብፍላይ ንኣኻ ንኽቡር ንጉሥ ዘተሓሳስቦ ነገር ድማ እቲ ምንጪ ናይዚ ዅሉ እዚ ከም ዝኾነ ዚንገረሉ ናይ እስክንድርያ ፓትርያርክ ቴዎፍሎስ ዋላ እኳ ፍቓደኛ እንተ ዘይኮነ ብኃይሊ ከም ዝርከብ ኪትገብሮ አተሓሳስበካ። በዚ ድማ ጳጳሳት ብሓድነት ተኣኪቦም ንዅሉ ዝኾነ ነገር መርሚሮም ብቕልጡፍ ግቡእ ውሳነ ንኽውስኑ እዩ።” እንተ ኾነ ግና እቶም ካብ ንጉሥ ኣናሬዎስን ካብቲ ናይ ሮማ ፓትርያርክ ካብ ኢኖስንትን (404-417 ዓ.ም) ናብቲ ናይ ምብራቕ ገዛኢ ናብ ንጉሥ ኣርቃዴዎስ ዚተላእኹ ልኡኻት፡ በቶም ናይ ምብራቓዊ ክፋል ናይ መንግሥቲ ሰበ ሥልጣናት ተታኂዞም፡ ተኣሲሮም ንኣዋርኅ ድኅሪ ምንግልታቶም ተመለሱ። ናይ ሮማ ፓትርያርክ ድማ ምስ ናይ እስክንድርያ ፓትርያርክ ምስ ቴዎፍሎስን ምስቶም ድኅሪ ናይ ቅዱስ ዮሓንስ ኣፈወርቅ ስደት ኣብ ናይ ቁስጥንጥንያ መንበር ዚተተክኡን ብሓፈሻ ምስቶም ናይ ቅዱስ ዮሓንስ ኣፈወርቅ ጸላእትን ኣሳደድትን ዝነበሩ ኵላቶም ዝኾነ ዓይነት ርክብ ኣቋረጹ። 

ትርጕም ሓንቲ ቓል 4


ሕቶ፦ “ንስኻትኩም ግና፡ መምህርኩም ሓደ እዩ እሞ፡ መምህራን ኣይትብሀሉ፡ ….ኣቦኹም፡ እቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ፡ ሓደ እዩ እሞ፡ ኣብ ምድሪ ንሓደ እኳ ኣቦይ ኣይትበሉ /ማቴ 23፡8-9/ ዝብል ቃል ትርጕሙ እንታይ እዩ?

1. መምህራን ኣይትብሀሉ

 ነዚ ሕቶ እዚ ብቐሊሉ ንምምላስን ንምርዳእን ነቲ ምዕራፍ ብምሉኡ ኬነንብቦ ተመራጺ እዩ። እዚ ምዕራፍ እዚ ሓፈሻዊ ትሕዝቶኡ ምስ ንምልከት ናይቶም ብግዳማዊ ትርኢት ኣጊጾም ብትዕቢት ተነፊሖም መምሃራን ኢና ፈለጥቲ ሕጊ ኢና እናበሉ ዝምክሑ ጸሓፍትን ፈሪሳውያንን ተግሣፅ ዚኃዘ ምዕራፍ እዩ። ክርስትና ድማ ናይ ትሕትናን ነብስኻ ናይ ምውራድን ሃይማኖት እዩ። ስለዚ ድማ እዩ ጐይታና ኣብዚ ምዕራፍ እዚ ነዚ መምህራን ሕጊ ኢና ዝብሉ ጸሓፍትን ፈሪሳውያንን ዚገብርዎ ሕማቕ ተግባራት ኣብ ሓዋርያቱ ከይርአን ንሳቶም ከም መምህሮም ከም ክርስቶስ ትሑታት ኪኾኑ ከም ዘለዎም ኬረድእን “መምህራን ኣይትበሃሉ” ክብል ዝኣዘዞም። እዚ ድማ ንሳቶም ንነብሶም “መምሃራን” ኢና እናበሉ ከይጽውዑዋን ከምኡ ዝብል ትዕቢት ንኸይኅዞምን ዝኅግዝ ኪኸውን ከሎ፡ ንኣና ነቶም ዝምህሩና ድማ ካብ ናብኣቶም ንላዕሊ ዝያዳ ናብቲ ምንጪ ትምህርቶም ዝኾነ ክርስቶስ ከም እንጥምት ዝገብረና ግሩም ቃል እዩ። እዚ ቓል እዚ ብሓቂ ነዞም ሎሚ ካብ ንትምህርቲ ክርስቶስ ንመምህራን ኢና በሃልቲ ኬነምልኽን ምስኦም ንመውት ምስኦም ንጠፍእ እናበልና ኪንስዕቦም ጀሚርና ዘለና ሰባት ብምስትውዓል እንተ ርኢናዮ መድኃኒት እዩ። ስለዚ ኣብ ትምህርቲ ናይ ሓቀኛታት መምህራን ደኣ እምበር ኣብቶም መምህራን እምንቶና ኣይንግበር፡ ንሳቶም ኪወድቁ ይኽእሉ እዮም "ቃሉ ግና ንዘለዓለም ሕያው እዩ"። ስለዚ ካብ ምስቲ ወዳቒ ምስቲ ዘይወድቕ ንጐዝጐዝ።

 ጐይታና ንነብስና መምህራን ኢልና ከይንጽውዕ የጠንቅቐና። እቲ ሰብ ዝምህሮ ትምህርቲ ካብ ክርስቶስ ዚረኸቦ ናይ ክርስቶስ ትምህርቲ ከም ዝኾነ ጌርና ደኣ ንቀበሎ እምበር፡ ከም ክርስቶስ ካብ ርእሱ ዝመንጨወ ትምህርቲ ከም ዝምህር ጌርና ኪንቆጽሮ ኣይግብኣናን። ምኽንያቱ ንሱ ናቱ ቓላትን ትምህርትን ዘይኮነስ ናይ ክርስቶስ ቃል፡ ናይ ክርስቶስ ወንጌል ናይ ክርስቶስ ሕይወትን ምስክርነትን ኂዙ እዩ ዝመጽእ። ጐይታና፦ “ስለዚ ኺዱ ንዅሎም ኣሕዛብ ብስም ኣቦን ወድን መንፈስ ቅዱስን እናኣጥመቕኩም፡ ዝኣዘዝኩኹም ኵሉ ኺሕልዉ ኸኣ እናመሀርኩም፡ ደቀ መዛሙርቲ ግበርዎም። እንሆ ድማ፡ ኣነ ኽሳዕ መወዳእታ ዓለም ኵሉ መዓልቲ ምሳኻትኩም እየ” /ማቴ 28፡19-20/” ብምባል ንሓዋርያት ልኢክዎም ነይሩ።

ስለዚ ጐይታና “እናመሃርኩም” ብምባል ንኽምህሩ ትእዛዝ ካብ ሃቦም “መሃርዎም” ብምባል መምሃራን ምዃኖም ካብ ገለጸ መምሃራን ዘይበሃሉሉ ምኽንያት ደኣ እንታይ እዩ? ዝምህርዎ ትምህርቲ ናይ ርእሶም ከም ዘይኮነ ንምርዳእ ግና “ዝኣዘዝኩኹም ኵሉ ኺሕልዉ ኸኣ እናመሃርኩም፡ ደቀ መዛሙርቲ ግበርዎም” ዝብል ቃል መረጋገጺ እዩ። ስለዚ ንሳቶም ንሱ ዝመሃሮም ትምህርቲ ዝምህሩ መምሃራን እዮም። መምሃራን ተባሂሎም ኪጽውዑ ኸኣ ግቡእ እዩ። 

ቅዱስ ኣውግስጢን፦“ኣነ ናይዚኣቶም መምህር እየ ኣባኻ ግና ተማሃሪ እየ ኣነ ናታቶም ጓሳ እኳ እንተ ኾንኩ ንኣኻ ግና ሓደ ካብተን ኣባጊዕ እየ” ብምባል ዚተዛረቦ ድማ ነዚ መረጋገጺና እዩ። ቅዱስ ጳውሎስ “ኣገልግሎት እንተ ዀይኑ፡ ብኣገልግሎትና ንጽናዕ። ዚምህር እንተ ዀይኑ፡ ብምምሃሩ ይጽና” /ሮሜ 12:7/ ብምባል ዚጸሓፎ ድማ ሓዋርያትን ኣሠሮም ዚተኸተሉ ኣበው ኵላቶም ግቡእ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ ተማሂሮም ጽሩይ ቃል ኣምላኽ ዝምህሩ መምሃራን ተባሂሎም ኪጽውዑ ከም ዝኽእሉ ኣረድኣና።  ደጊሙውን፦ “ነዚ ኣነ ኣዋጅን ሃዋርያን መምህር ኣሕዛብ ክኸውን ተሸምኩ “/2ይ ጢሞ 1:11/ ብምባል ንሱ መምህር ኪኸውን ብእግዚኣብሔር ከም ዝተሸመ ገለጸ። እሞ ክርስቶስ “መምህራን ኣይትበሃሉ” እናበለ መሃሩዎም ኢሉ ኪልእኽ ደኣ ይግብኦ ድዩ? ቅዱስ ጳውሎስ “ዚምህር እንተ ዀይኑ፡ ብምምሃሩ ይጽና” ብምባል መምህር ኢሉ ምጽውዑኸ ጌጋ ድዩ? መምህር ኣሕዛብ ክኸውን ተሸምኩ ብምባሉ ኸ ንቓል ክርስቶስ ተጻሪርዎ ድዩ? ያእ ኣይፋሉን፡ ስለዚ ካብዚ ከም ንርድኦ፡

1. ናይ ባህሪ መምህራን ኣይትበሃሉ፦ ናይ ባህሪ መምህር ንሱ ክርስቶስ ጥራይ ስለ ዝኾነ። ኣብ ቤተ ክርስቲያንና ምሰዚ ቃል እዚ ዚሰማማዕ ኦርቶዶክሳዊ ቋንቋ ኣሎ። ንሓደ መምህር “መምህር” ኢልና ምስ ንጽውዖ “መምህርና እግዚአብሔር” ኢሉ እዩ ዝምልስ። እዚ ማለቱ ድማ “ናይ ባህሪ መምህር ክርስቶስ ጥራይ እዩ፡ ኣነ ዜመኃላልፎ ዘለኹ ቃል ወንጌልውን ናቱ እዩ፡ ስለዚ ብኣይ ገይሩ ዝምህር ዘሎ እግዚአብሔር እዩ ማለቱ እዩ”። 

2. ንነብስኻ መምህር እየ ኢልካ ኺትቈጽራ ከም ዘይግባእን መምህር ኢልኩም ጸውዒኒ ኺትብል ከም ዘይግባእን ትሕትና ንምምሃርን እዩ። ኣብዚ ኬነስተውዕለሉ ዘለና ግና መምህር ነቲ ግቡእ ናይ ቤተ ክርስቲያን ትምህርቲ ተማሂሩ ዝወድአን፡ ቤተ ክርስቲያን ናይ መምህርነት መዓርግ ዝሃበቶን ኣብ ቤተ ክርስቲያን ድማ ነዝነብርን ጥራይ ደኣ እምበር፡ ንዝረኸብናዮ ሰብ ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ጥቕሲ ኣልዒሉ ስለ ዝመሃረና ጥራይ መምህር ኢልካ ምጽዋዕ ግቡእ ኣይኮነን። 

 ሎሚ ግና ሳላ ኢንተርኔት ኵሉ ሰብ መጽሓፍ ቅዱስ ኪምህር ኪንርእዮን ኪንሰምዖን ስለ ዝኸኣልና፡ መንነቱ ከይፈለጥና ንዝተማህረን ንዘይተማህረን፡ ንወዲ ቤተ ክርስቲያን ንጸረ ቤተ ክርስቲያን ንዅላቶም መምህር እናበልና ምጽዋዕ ግቡእ ኣይኮነን። በዚ ኣጋጣሚውን ብዙኃት ናይዚ ገጽ ተኸታተልቲ ነቲ ትጽሕፉለይ ሓናፂ ርኢቶኹም ኣዝየ እናመስገንኩ፡ መምህር ኣቦና ዲያቆን ኢልኩም ብፍላጥ ይኹን ብዘይ ፍላጥ ንትጽሕፉለይ ግና “ኃውና” ወይ “ወድና” ብምባል ኪትጽውዑኒ ብትሕትና ይሓትት። ምኽንያቱ መምህር ከይበሃል ናይ ቤተ ክርስቲያን ግቡእ ትምህርቲ ኪምህርሲ ይትረፍ ንኽመሃር እኳ ዝበቅዕ ሰብ ኣይኮንኩን፡ ናይ ዲቁና ማዕርግውን የብለይን፡ ብዕድመውን ኣቦኹም ኪኸውን ስለ ዘይክእል “ኃውና ወድና” ዝብላ ምቁራት ቃላት መሪጸልኩም ኣለኹ። ብተወሳኺውን መጀመርታ ከምቲ ጐይታና “..እተን ኣባጊዐይ ድምፀይ ይሰምዓ…. ዝበሎ፡ እንሰምዖ ድምፂ ስብከትን መዝሙርን ናይ ቤተ ክርስቲያን ምዃኑ ኪንፈልጥ ይግብኣና። “ንጓና ግና ድምፁ ስለ ዘየለልያ ካብኡ ይገልባ እምበር ኣይስዕባኦን እየን” ከም ዝበለና ድማ ስብከትን መዝሙርን መጻሕፍትን ናይ ቤተ ክርስቲያን ፈሊጥና ንእኦም ኪንስዕብ ካብ መምህርነት ናይ ጓኖት ግና ኪንገልብ ይግብኣና።/ዮሓ 10፡4-5/…..ይቕጽል

Tuesday 24 January 2017

ትርጕም ናይ ሓንቲ ቓል 3

ሕቶ፦ "ብርሃን አንብር ጸልማት ከኣ እፈጥር። ደኃን እገብር ክፉእ ከኣ እፈጥር" /ኢሳ 45፡7/ ትርጕም ናይዚ ቓል እዚ እንታይ እዩ? ኣምላኽ ከመይ ገይሩ ክፉእ ፈጢሩ ይበሃል? እዚ ምስ ባህሪኡ ኪሰማማዕ ከ ይኽእል ድዩ? 

መልሲ
… ክፉእ ናይ ጽቡቕ ኣንጻር እዩ። ክፉእ ክልተ ትርጕም ኣለዎ ጽቡቕ ድማ ክልተ ትርጕም ኣለዎ። ቀዳማይ ጽቡቕ ጽድቂ፡ ቅድሰና ዝገልጽ ክኸውን ከሎ፡ እቲ ኻልኣይ ድማ ንሃብቲ፡ ሰላም፡ ዝና፡ ህያባትን …የጠቓልል። 

ክፉእ ድማ ልክዕ ከምኡ ክልተ ትርጉም ኣለዎ። ክፉእ ንኃጢኣትን ንሽግር መከራን ስደትን ውድቀትንውን ክንጥቀመሉ ንኽእል፡፡ ንመከራን ሽግርን ክፉእ ከም ዝበሃል ዚቕጽል ጥቕሲ ንመልከት “ንሱ ግና፡ ንስኺ ኣዘራርባ ዓሻ ሰበይቲ ትዛረቢ ኣሎኺ። ካብ ኢድ ኣምላኽ ሠናይ ተቐቢልናስ፡ ነቲ እኩይከ ኣይንቕበሎንዶ? በላ። እዮብ በዚ ዅሉ ነገር ብኽናፍሩ ኣይኃጥኤን  /2:10/። ኣቦና እዮብ ኣብዚ ነቲ እኩይከ ኣይንቕበሎንዶ ክብል ከሎ፡ ንኃጢኣት ማለቱ ኣይኮነን። ምኽንያቱ ንሱ ጻድቕ ኣቦ እዩ ዚነበረ። እኩይ ዝበሎ እምበኣር ነቲ ኣብኡ ዝወረደ ዕንወት ናይ ጥሪቱን ሃብቱን ሞት ናይ ደቁን እዩ።

ነቢይ ኤርሚያስውን፦ "እግዚአብሔር ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ከምቲ ዅሉ እዚ ዓብቢይ ሕሰም ኣብዚ ሕዝቢ እዚ ዘውረድክዎ፡ ከምኡ ድማ ኵሉ እቲ ዘተስፈኽዎም ሠናይ ከውርደሎም እየ /ኤር 32;42/። ኣብዚ ውን ሕሰም ዚተባህለ ኃጢአት ሠናይ ዚተባህለ ኸኣ ጽድቂ ኣይኮነን። ሕሰም ዚተባህለ መከራን ሽግርን ኪኸውን እንከሎ፡ ሠናይ ዚተባህለ ድማ፡ ሰላም ራህዋ ቅሳነት…ማለት እዩ።

ጽቡቕ ዝብል ቃል  ጽድቂ፡ ክፉእ ዝብል ድማ ብኃጢኣት ከም ዝምሰል ዘረድኡ ጥቕስታት

“ነቶም ንገበርቲ እከይ ክቐጽዑ፡ ንገበርቲ ሠናይ ክንእዱ ካብኡ ዝተላእኩ መኳንንቲ ስለ እግዚኣብሔር ኢልኩም ንሥርዓት ሰብ ዘበለ ተገዝኡ”  1ይ ጴጥ 2፡14

"ካብ ክፉእ ህደም ጽቡቕ ግበር"  /መዝ34፡14/። ኣብዚውን ክፉእ ዚተባህለ ኃጢአት እዩ፡ ጽቡቕ ዚተባህለ ድማ ጽድቂ እዩ።

"ሎሚ ደቅኹም ክፉእን ጽቡቐን ምፍላይ ዘይክእሉ" /ዘዳ 1፡39/ ዝብሉ ኣብነታት ኪንጠቅስ ንኽእል። ስለዚ እግዚአብሔር ናብ ሃገር ክፉእ ኣምጺኡ እንተ ተባህለ፡ ነቶም ሕዝቢ ንምግሣፅ ወይውን ብኻልእ ዚተፈላለየ ምኽንያት ዚወርድ ጥሜት ስደት ካልእ ነዚ ዝኣመሰለ ክፉእ ተባሂሉ ዚጽዋዕ ነገራትን የምጽእ ማለት እዩ፡ እምበር እግዚአብሔር ኃጢአት ፈጢሩ ማለት ኣይኮነን። /So many years with the Problems of People Part one Biblical Questions By H.H Pop Shenouda III P,20-23/

ቅዱስ ዮሓንስ ኣፈወርቅ ነዚ ቓል እዚ ብሰፊሑ ኣብ ዝመሃረሉን ኣብ ዚተርጐመሉን ክፍለ ትምህርቲ ከምዚ ይብል፦ "እቲ ነቢይ ከምዚ እናበለ ኬድምፅ እሰምዖ ኣለኹ፦ “እግዚአብሔር ከይኣዘዘኸ ንኸተማዶ ክፉእ ይወርዳ እዩ፧” /ኣሞ 3፡6/። “ክፉእ ነገር” እዚ ቃል ኣዘራራቢ እዩ። ካብዚ ዚተላዕለ ናብ ነቐፌታ ንኸይትኸዱን፡ ናይ ነፍሲ ወከፍ ትኽክለኛ ሓሳብ ኪትርድኡን እደሊ ኣለኹ።

ብርእሱ ክፉእ ዝኾነ ክፉእ ነገር ኣሎ፡ ንኣብነት ኣመንዝራነት፡ ዝሙት፡ ስስዐን ፍቕሪ ንዋይን ካልኦት ኪቚጸሩ ዘይኽእሉ፡ ናይ መወዳእታ ውግዘትን ቅጽዓትን ዝግብኦም ዘኅፍሩን ዘፍርሁን ካልኦት ተመሳሰልቲ ነገራትን እዮም። ብኻልእ ሸነኽ ከኣ ሕማም፡ ጥሜት፡ ደርቂ ሞትን ካልኦት ነዚኣቶም ዝኣመሰሉን “ክፉኣት” ተባሂሎም ይጽውዑ እዮም። እዚኣቶም ከምቶም ናይ መጀመርታ ስለ ዘይኮኑ እየ “ክፉኣት ይበሃሉ” ዝበልኩ። ምኽንያቱ ብርእሶም ክፉኣት ነይሮም እንተ ዝኾኑ፡ ትዕቢትና ብተግሣፅ፡ ስንፍናና ኸኣ ብምንቕቓሕ ኣበርቲዕና ብምውሳኽ ኣዚና ትጉሃን ከም እንኸውን ብምግባር ምንጪ ናይ ጽቡቕ ነገር ኪኾኑ ኣይምኸኣሉን ነይሮም። “ካብኦም ገለ ምስ ቀተለሎም” ይብል እቲ ነቢይ “እቶም ዝተረፉ ናብኡ ይምለሱ ነበሩ፡ ተጣዒሶም ድማ ብልቢ ናብኡ ይጽልዩ ነበሩ” /መዝ 78፡34/። ስለዚ ነዚ ብዝበለጸ ዘንጽሖም፡ ናብኡ ንኽቐርቡ ዘነቓቕሖምን፡ ንመንፈሳዊ ነገር ዘለዎም ቅንኣትን ተወፋይነትን ዝውስኽን ናብ ምፍቃር ጥበብ ዝመርሖምን “ክፉእ” በሎ፡ ነውርን ኣጸያፍን ዝኾነ ኃጢአት ግና ኣይኮነን።

ብርእሱ ክፉእ ዝኾነ ኃጢአት ግና ናይ እግዚአብሔር ሥራሕ ኣይኮነን፡ እግዚአብሔር ፈጺሙ ኃጢአት ኣይፈጠረን። ኃጢአት ውፅኢት ናይ ናጻ ፍቓድና እዩ። እቲ ግና ነዚ ንምጥፋእ ካብ እግዚአብሔር ዝመጽእ እዩ። ነቶም ብምኽንያት ኃጢአትና ንቕጽዓት ዝመጹ ነገራት “ክፉእ” በሎም፡ ከምዚ ኢሉ ዝጸውዖ ድማ ነቲ ነገር ካብ ተፈጥሮኡ ብምብጋስ ዘይኮነስ፤ ነቲ ሰባት ብልምዲ ዝሃብዎ ስያሜ ወሲዱ እዩ። ንስርቅን ዝሙትን ጥራይ ዘይኮነ ንመቕዘፍቲውን ክፉእ እናበልና ምጽዋዕ ስለ ዝለመደና፡ እቲ ነቢይውን ካብዚ ኣሰያይማ ናይ ሰባት ተበጊሱ ክፉእ ኢሉ ጸውዖ። እቲ ነቢይ “እግዚአብሔር ከይኣዘዘኸ ንኸተማዶ ክፉእ ይወርዳ እዩ፧” እዩ ዝበለ። ነዚ ድማ እግዚአብሔር ብመገዲ ነቢይ ኢሳይያስ ኣቢሉ ኣብ ላዕሊ ከም ዝረኣናዮ ንመቕዘፍታት ክፉእ ኢሉ ብምስያም ከምዚ እናበለ ብዝበለጸ የብርሆ፦ “ደኃን እገብር መዓት ድማ እፈጥር እዚ ዅሉ ዝገብር ኣነ እግዚአብሔር እየ’ /ኢሳ 45፤7/። ብዛዕባ እዚ ክፍኣት እዚ ክርስቶስውን ንደቀ መዛሙርቱ ኣመልኪትሎም ነይሩ፦ “ንመዓልቲ ክፍኣታ ይኣኽላ እዩ” ብምባል /ማቴ 6፡34/። “ናይ መዓልቲ ክፍኣት” ዝተባህለ ኸኣ ኣብታ መዓልቲ ዘጋጥም ጭንቀትን መከራን እዩ። ስለዚ ንቕጽዓት ክፉእ ይብሎ፡ ኣባና ድማ ቅጽዓት የምጽእ፡ በዚ ድማ መለኮታዊ ሓለዋኡ ብዅሉ መገዲ ንኸርኢ እዩ። /ናይ ቅዱስ ዮሓንስ ኣፈወርቅ ሕይወቱን ትምህርቱን ዘይተኃተመ ጽሓፍ ገጽ 167.../

Monday 23 January 2017

ትርጉም ሓንቲ ቃል 2

2. ኣብ መንጎ ሰብን ኣምላኽን ዘሎ መተዓረቒ እንታይ ማለት እዩ /1ይ ጢሞ 2:5?

  ኣሐዱ እግዚኣብሔር << እግዚኣብሔር ሓደ እዩ >> ማለት   
ሀ. እግዚኣብሔር ኣብ ብዝተፈለየ ኣካሉ ሓደ እዩ። 
ለ. እግዚኣብሔር ምስ ወልድን መንፈስ ቅዱስን ብባህሪ ሓደ እዩ።  

ወአሐዱ ሕሩይ ማእከለ እግዚኣብሔር ወሰብእ ኢየሱስ ክርስቶስ ዘኮነ ሰብአ { ኢሳ 45፡21-22 ዮሐ 17፡3  ዕብ 12፡ 24። 

ሀ. << ሰብ ኮይኑ ሰብን እግዚኣብሔርን ዘተዓረቐ ኢሱስ ክርሰቶስውን ሓደ እዩ። ማለት { ወልድ አየሱስ ክርስቶስ ውን ብዝተፈለየ ኣካሉ ሓደ እዩ } 

ለ. ኢየሱስ ክርስቶስ ምስ ኣብን መንፈስ ቅዱስን ብባህሪ ሓደ እዩ። ስለዚ ኣብዚ ቃል እዚ ክርስቶስ ብዘመነ ሥጋዌ ናትና ናይ ድኹማት ሰባት ሥጋ ብምልባስ ፍጹም ሰብ ፍጹም ኣምላኽ ብምዃን ምስ ገዛእ ነብሱ መንጎኛ ኮይኑ ስለ ዝዓረቐና መንጎኛ በሎ።  

ኣብ ብሉይ ኪዳን መንጐኛታት ዚነበሩ ካህናት እዮም። ናትና ሊቀ ካህናት ግና ክርስቶስ እዩ።
ናይ ብሉይ ኪዳን ካህናት መንጐኛታት ኮይኖም ንሰብ ምስ ኣምላኽ ንኽዓርቅዎ ገንሸል ወይ ካልእ ደም ናይ እንስሳታት የድልዮም፡ ናትና ሊቀ ካህናት ግና ንሱ ባዕሉ ገንሸል እዩ።

ናይ ብሉይ ኪዳን ካህናት በደል ናይቲ ኃጢአተኛ ሰብ ናብቲ ገንሸል የኅልፍዎ እሞ እቲ ገንሸል በጃ እቲ ኃጢኣት ዚገበረ ሰብ ይሕረድ፡ ናትና ሊቀ ካህናት ግና በደልና ባዕሉ ተሸከሞ ኣብ ክንዳና ድማ ርእሱ መሥዋዕቲ ገይሩ ኣቕረበ።

ናይ ብሉይ ኪዳን ካህናት ነቲ መሥዋዕቲ ሕሩድ ተቐቢሉ ይቕረ ዝብለሎም ኣምላኽ ደኣ የድልዮም ነበረ እምበር ንሳቶም ፍጡራት ስለ ዝኾኑ ኃጢአት ይቕረ ናይ ምባል ሥልጣን ኣይነበሮምን፡ ናትና ሊቀ ካህናት ግና ንሱ ባዕሉ ኣምላኽ ስለ ዝኾነ መሥዋዕቲ ዝቕበልውን ንሱ ባዕሉ እዩ። ባዕሉ መንጐኛ ካህን፡ ባዕሉ መሥዋዕቲ ዝኾነ ገንሸል፡ ባዕሉ ተቐባሊ መሥዋዕቲ ዝኾነ ኣምላኽ እዩ። ነዚ ድማ እዩ ቅዱስ ጎርጎርዮስ ናይ መሥዋዕቲ በጊዕ ንሱ እዩ፡ መሥዋዕቲ ዘቅርብ ካህን ንሱ እዩ ምስ ናይ ባህሪ ኣቡኡ ምስ ኣብ ናይ ባህሪ ሂወቱ መንፈስ ቅዱስ መሥዋዕቲ ዝቕበል ውን ንሱ እዩ። ብምባል ዝመሃረና /ዮው 1፡29 እብ 9፡11-28 ሃይማኖተ ኣበው ዘጎርጎርዮስ 36፡125/

 ስለዚ እምበኣር “መንጐኛ” ዝኾነ ኵሉ መሥዋዕቲ ዝኸውን ደም ከም ዘድልዮ ርኢና ኣሎና። ሕጂ ንክርስቶስ (ሎቱ ስብሐት) መንጐኛ እዩ ንብሎ እንተ ደኣ ዄንና ንሱ ኵሉ ሳዕ እናመጸ ኪሥውዓልና እዩ ዝብል ጽላለ ኣብ ውሽጥና ኣሎ ማለት እዩ። ንሕና ግና ምስቶም ቅዱሳን ኣቦታትና ዄንና ከምዚ ንብል፦ ስለ’ዚ ድማ እዩ እዚ ሐዋርያ ኵሉ ጊዜ ቆይሙ ዘገልግል ንኸየምስልዎ ብምሕሳብ ብምትጋህ ሓደ ጊዜ መሥዋዕቲ ከም ዚሠውዐ ኣረድአ። ሓደ ጊዜ ሰብ ከም ዚኾነ ሓደ ጊዜ ተሾመ ሓደ ጊዜ ከም ዚተሾመ ሓደ ጊዜ ኣገልገለ። ሰብ ኣብ ዚኾነሉ ጊዜ ናይ ሰብነት ሥራሕ ብምሥራሕ ጸኒዑ ከም ዘይነበረ ከምኡ ድማ ኣብ ዘገልገለሉ ጊዜ ኣብ ምግልጋል ጸኒዑ ኣይነበረን። ሕጂ የገልግል እንተዝህሉ እቲ ሐዋርያ ቆመ ደኣ እምበር ተቐመጠ ኣ

Saturday 21 January 2017

ትርጕም ሓንቲ ቃል 1


1. ብሉይ ኪዳን ኣብ ሓድሽ ኪዳን ከም ዘለዎ ዲና ንጥቀመሉ ወይስ ኵሉ ተሳዒሩ እዩ?

 ኣቦታትና ንብሉይ ኪዳን ብመንጽር ሓድሽ ኪዳን ኪርእይዎ አንከለዉ ኣብ ኣርባዕተ ከፊሎምዎ ኣለዉ፦ "..ሕግ ቀዳማዊ ሶበ መጽአ ሕግ ዳኃራዊ ኢጸንዐ ሕግ ቀዳማዊ በኵለንታሁ ወኢበጠለ ኵለንታሁ አላ ኀበ ፬ቱ ክፍል ተከፍለ” ፍት.ነገ.ኣን 45፡1567 ከም ዚብለና

ቀዳማይ፦ ኣብ ዘለዎ ዚጸንዐ ማለት ኣብ ብሉይ ኪዳን ከም ዚነበሮ ኣብ ሓድሽ ኪዳን ኪንጥቀመሉ ዝግብኣና።

ንኣብነት፦ ዓሠርተ ትእዛዛትን ካልእ ዘይተሳዕረ ክፍሊ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ብምሉኡን (ማቴ5፡17) ፍት.ነገ. ኣን 45፡1867

ካልኣይ፦ ዚተሳዕረ ማለት ኣብ ሓድሽ ኪዳን ፈጺምና ኪንጥቀመሉ ዘይግብኣና /ፍት.ነገ. ኣን 45፡1867/ 

ንኣብነት ፦ መሥዋዕተ ኦሪት፡ ዕብራ 4፡27 9፡23 10፡3-4  ዮሐ 1፡29
               ክህነት ብዘርኢ 1ይ ጴጥ 2፡5
               ባርያ ምግዛእ ዘዳ  ገላ 3፡27
               ሬሳ ምትንካይ  ሕጂ ርኽሰት ኣይኮነን ወዘተ ዘሁ 19፡11

ሣልሳይ፦ ፍጹም ዚኾነ 

ንኣብነት፦ ጸላኢኻ ጽላእ ዚነበረ ጸላእትኻውን ኣፍቅር ዚብል ተወሲኽዎ ፍጹም ኮነ ማቴ 5፡43-45  ፍት.ነገ ኣን 45 ከምኡውን ብጊዜ ሰንበት ፈጺምካ ሥራሕ ዘይሥርሓላ ዚነበረ ሕጂ ግና ሠናይ ዚኾነ መንፈሳዊ ሥራሕ ብምሥራሕ ናብ ፍጽምና ምምጻእ ..ወዘተ። ፍት.ነገ.ኣን 45፡1568

ራብዓይ፦ ዚተመኃየሸ ማለት ሥጋዊ ዚነበረ ብመንፈሳዊ ዚኾነ 

ንኣብነት፦ ንሥጋ ብማይን ብደምን ካብ ምንጻሕ ብንሥሓ ነፍሲ ምንጻሕ ኮነ ፍት.ነገ.ኣን 45፡1568 ዚዘመወ ይቀተል ዘሌ 20፡11-21 ዚነበረ ንስሓ ይእቶ ኮይኑ ኣቡኡ ወይ ኣዲኡ ዚጸረፈ ሞት ይሙት ንዝብል /ዘሌ 20፡9/ ንስሓ ይእቶ ብዝብል ተመኃየሸ ወዘተ  

Friday 20 January 2017

ሕይወተ ወራዙት 2ይ ክፋል

“ምሉእ ሰብ ናብ ምዃን ምዕባይ”

ኣቐድም ኣቢሉ ከም ዚተገልጸ ብመሠረት እቲ “ብዝኁ ተባዝኁ” ዝብል ኣምላኻዊ  ቓል ሰብኣይን ሰበይትን (ወድን ጓልን) ርክብ ኪፍጽሙ እንከለዉ፡ ካብ ሰበይቲ ደም ካብ ሰብኣይ ድማ ዘርኢ ይኽፈል እሞ፡ ኣብ ማኅፀን ናይታ ሰበይቲ ውሕደት ይገብሩ። ኣብዚ ጊዜ እዚ ሓድሽ ሕይወት ይጅምር። ጥንሲ ይፍጠር።

 እዚ ጥንሲ እዚ ነፍሲ ዘላቶ ደኣ እምብር ናይ ዘርእን ናይ ደምን ውሕደት ጥራይ ኣይኮነን። ብመሠረት ናይ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን መንፈሳዊ ትምህርቲ፡ ሰብ ኪፍጠር እንከሎ ሥጋኡን ነፍሱን ብሓንሳእ ደኣ ይርከቡ እምበር ኣይቀዳደሙን እዮም። ኣብ ጊዜ ጥንሲ ዘርእን ደምን ካብ ኣቦን ካብ ኣደን ኪኽፈሉ እንከለዉ፡ ነፍሲውን ከይቀደመትን ከይተቐደመትን ምስኦም ኃቢራ ትኽፈል። ናይ ነፍስን ናይ ሥጋን ምንጪ እቶም ወለዲ እዮም።

ዕንጨት ምስ ፋሕፋሕካዮ፡ እምኒ ድማ ምስ ኣጋጨኻዮ፡ ካብ ዕንጨትን ካብ እምንን ዚተፈለየ ባህርይ ዘለዎ ሓዊ ከም ዝርከብ፡ ሰብኣይን ሰበይትን ርክብ ምስ ገበሩ ኸኣ ደምን ዘርእን ተዋሒዶም ጥንሲ ኺፍጠር ከሎ፡ ሽዑ ከምቲ ምሳሌ ናይ ሓዊ ብባህርይኣ፡ ካብ ዘርእን ካብ ደምን ፍልይቲ ዝኾነት ነፍሲ ትርከብ።

 ጠስሚ ኣቐዲሙ ኣብ ውሽጢ ጸባ ብምንባሩ፡ ጸባ ኪረግእ ይኽእል። ጠስሚ እንተ ዘይነብሮ ነይሩ ግና ኪረግእ ኣይምኸኣለን ነይሩ። ከምኡ ድማ ጥንሲ ኣብ ዝፍጠረሉ ጊዜ፡ ብመገዲ ዘርእን ደምን ነፍሲ ካብ ኣቦን ካብ ኣደን ተኸፊላ ምስቲ ጥንሲ ተዋሒዳ እንተዘይትነብር ነይራ፡ ኣብ መኣዲ ከም ዚተቐበልካዮ ደም፡ ካብ ምርጋእ ኃሊፉ እናደረቐ ምኸደ ነይሩ እምበር ሕያው ፍጡር ናብ ምዃን ኪስጉም ኣይምኸኣለን ነይሩ።

እቲ ኣቦ ትዕግሥቲ ዝኾነ ኣቦና ኢዮብ ምርጋእ ናይ ጸባ ንኣጀማምራ ጥንሲ ብምሳሌ ምጥቃስ ከም ዝከኣል “ከመ ሐሊብ ሀለብከኒ፡ ወከመ ግብነት አርጋእከኒ” ማለት “ኸም ጸባ ካብ ኣቦይ ሓለብካኒ ኸም ርግኦ ኸኣ ኣብ ማኅፀን ኣደይ ኣርጋእካኒ፡ ቈርበትን ሥጋን ኣልበስካኒ፡ ብዓጽምን ጅማትን ቀወድካኒ ሕይወት ሃብካኒ ፍቕርኻ ድማ ኣርኤኻኒ” ይብል /ኢዮ 10፡10-12/።

በዚ መሠረት ናይ ዕለት ጥንሲ ብምዃን ዚተፈጠረ ሕያው ፍጡር ቀስ ብቐስ ሥጋ ኣዕጽምቲ ጅማት ጸጕሪ ጽፍሪ…ወዘተ ናብ ምዃን ኪጓዓዝ ከሎ፡ ነፍሲ ብወገናውን ነቲ ሥጋዊ ኣካል ወይ ሰብነት ምዃን ዚጀመረ ጥንሲ ብምንቅስቓስ ናይ ሕይወት ሥራሓ ትጅምር። እዚ ናይ ሕይወት ጕዕዞ ዚከናወን ብኃይሊ ናይቲ ጥንሲ ወይውን ብናይ ወለዲ ፍቓድን ሓሳብን ኣይኮነን። ነቢይ ዳዊት “ውእቱ ፈጠረነ ወአኮ ንሕነ - ንሱ ሠርሓና ንሕና ኣይኮንናን” ኢሉ ከም ዚተዛረበ፡ ጥንሲ ብፍቓድን ኃይልን ናይ እግዚአብሔር እዩ ዝፍጠር።

ወለዲ ንውላዶም እንታይ ዓይነት ሰብ ኪመስሉ ከም ዘለዎም ዝውስን ንድፊ ኣውፂኦም ኣይወልድዎምን እዮም። ኮይኑ ግና ሓድሽ ሕይወት ንምጅማር ምኽንያት ከም ዝኾኑ ዝከሓድ ኣይኮነን። ሕጂውን ብዛዕባ እዚ ጉዳይ እዚ ቅዱስ ዳዊት፦ “ኣቦይን ኣደይን እኳ እንተ ጠንጠኑኒ፡ ንስኻ ኦ እግዚአብሔር ትእርንበኒ ኢኻ” ብምባል ተዛሪቡ እዩ /መዝ 27፡10/። ናይዚ ምሉእ ሓሳባት ምሥጢር “ኣቦይን ኣደይን ከምቲ ዝፈቐድዎ ተራኺቦም ኣብ ማኅፀን ደርብዮምኒ እዮም፡ እግዚአብሔር ግና ብሕይወት ተቐበለኒ ማለት ሕያው ከም ዝኸውን ገበረኒ” ማለት ከም ዝኾነ ናይ ዳዊት ኣንደምታ የረድኣና። ካብዚ ትርጓሜ ከም ንርድኦ ወለዲ ነዚ ጥንሲ ንምርካብ ምኽንያት ኪኾኑ እንከለዉ እግዚአብሔር ግና ናይ ጥንሲ በዓል ቤት ከም ዝኾነ ኪንርዳእ ንኽእል /መዝ 26፡10/።

ጥንሲ ኣምላኽ ኣለዎ። ኣምላኹን ተስፋኡን ከኣ እግዚአብሔር እዩ። ብዙኃት ግና ነዚ ዚተረድኣ ኣይመስላን። ካብኣተን ንላዕሊ ናይ ጥንሲ በዓል ቤት ከም ዘሎ ኣይመስለንን እዩ። ነዚ ምስክር ዚኸውን ከኣ ጥንሲ ከም ረሳሕ ማይ ኣብ ፈቐዶኡ ምጕሓፈን፡ ምንጻል ጥንሲ ብዘይ ሓሳብ ኣብ ልዕሊ ምፍጻሞምን፡ ኣብ ኢትዮጵያ ከም ሕጊ ጸዲቑ ብኣዋጅ ንኽፍቀድ ንምግባር ኪጓየዩ ምርኣይናን እዩ። ቅዱስ ዳዊት ነቢይ ስለ ዝኾነ ንዝኃለፈን ንዝመጽእን ናይ ምፍላጥ ጸጋ እግዚአብሔር ሂብዎ እዩ። በዚ ጸጋኡ ድማ ንሱ ንባዕሉ ጥንሲ ኣብ ዚነበረሉን፡ ዋላ ሓንቲ ኣብ ዘይፈልጠሉን ዘመን ብዛዕባ ዚነበረ ናይ እግዚአብሔር ሓለዋ ኪዛረብ እንከሎ፡ ከምዚ ይብል፤- “ካብ ዝውለድ ጀሚረ ኣባኻ ተዓቖብኩ፡ ካብ ማኅፀን ኣደይ ጀሚርካ ኸኣ ንስኻ ኣምላኸይ ኮንካ” /መዝ 22፡10/። ካብዛ ጥቕሲ እዚኣ እግዚአብሔር ናይ ጥንሲ ኣምላኽ ከም ዝኾነን፡ እቲ መሥርሕ ብምሉኡ ካብ ወለድን ካብ ናይ ሕክምና ሰብ ሞያን ንላዕሊ ከም ዚከታተልን ኪንርዳእ ንኽእል።

ኣብ ላዕሊ ዚተጠቕሰ ናይ ሕይወት ኣጀማምራ ካብ ጥንሲ ጀሚሩ ክሳዕ ውሉድነትን ርስአን (እርጋንን) ዘሎ ናይ ወዲ ሰብ ናይ ሕይወት ጕዕዞ፡ ብኃይሊ ናይ እግዚአብሔር ሓለዋ ከም ዝፍጸም ንምርዳእ፡ ሓደ ካብ ሊቃውነተ ቤተ ክርስቲያን ዝኾነ ቅዱስ ኣትናቴዎስ ከምዚ ይብል፦ “ኦ! ዘታወፅኦ ለሕፃን እምሐቌ ብእሲ ወትፌንዎ ውስተ ከርሠ ብእሲት - ኦ! ንሕፃን ካብ ሕቖ ናይ ሰብኣይ ከፊልካ ናብ ማኅፀን ሰበይቲ እትልእኾ”። ኣብዚ ጽሑፍ እዚ ቅዱስ ኣትናቴዎስ “ሕፃን” ዝበሎ ንዘርኢ ወዲ ተባዕታይ እዩ። ምኽንያቱ ሕፃን ንምዃን ዝበቅዕ ዘርኢ ወዲ ተባዕታይ ስለ ዝኾነ ነቲ ናይ መጻኢ መንነቱ “ሕፃን” ኢሉ ጸውዖ። ካብዚ ገጸ ንባብ እዚ ናይ ጥንሲ ኣፈጣጥራ፡ ናይ እግዚአብሔር ፍቓድ ምዃኑን፡ ወድን ጓልን ርክብ እኳ እንተ ገበሩን ብዘይ ናይ እግዚአብሔር ኃጋዝነት ጥንሲ ናይ ምፍጣር ክእለት ከም ዘይብሎም ንርዳእ። ሕጊ ስዒረን ብዝሙት እኳ እንተ ጠነሳ፡ ንሳተን ብዝሙተን ደኣ ይሕተታ እምበር፡ እቲ ጥንሲ ብፍቓድ እግዚአብሔር ከም ዚተረኽበውን ዘጠራጥር ኣይኮነን።

ቅዱስ ኣትናቴዎስ ብዛዕባ እቲ ጥንሲ ብምቕጻል “ብሰፋድድ ትጥቕልሎ፡ ማይ ምስ ኮነ ብባህርይ ጥበብካ ተርግኦ ንስኻ ኢኻ፡ ናይ ሕይወት መንፈስውን ኡፍ ትብለሉ” ብምባል ምስ ተዛረበ “ ንሃብቲ ኾነ ንድኽነት ንምጽዳቕ ይኹን ንምዅናን ኣብ ኣርብዓ መዓልቲ ትዕድሎ” ይብል። እዚ ማለቱ ግና እግዚአብሔር ኣብ ፵ መዓልቱ ንስኻ ሃብታም ኩን ንስኻ ድማ ድኻ ኹን፡ ንስኻ ጻድቕ ኩን ንስኻ ድማ ተኾነን ይብል ማለት ኣይኮነን። ናይዚ ትርጉሙ ከምዚ ዝስዕብ እዩ፦ “ጥንሲ ከም ማይ ኮይኑ ከይተፈልጠ ንመዓልታት ይጸንሕ። ብድኅርዚ ጭራ ካብ እትመስል ትርኢት ተበጊሱ እናዓበየ ይኸይድ ማለት እዩ፡ ኣብ ፵ መዓልቲ ተሥዕሎተ መልክዕ (ህዋሳት) ይማልእሉ። በዞም ህዋሳት እዚኣቶም እንተ ጽዒርሎም ሃብታም ዝኾነሎም፡ ሃካይ እንተ ኾይኑሎም ድማ ድኻ ዝኾነሎም፡ ሠናይ እንተ ገበረ ዚጸድቀሎም፡ ክፉእ እንተ ሠሪሑ ኸኣ ዝኹነነሎም ብምዃኖም ከምዚ ብምባል ተዛረበ።

ጥንሲ ኣብ ውሽጢ ትሽዓተ ኣዋርኅ ኣገራምን ዚተወሳሰበን ኣካል ዘለዎ ምሉእ ብምሉእ እናዓበየን ብቑዕ ኣካል ዘለዎ ሕፃን ይኸውን። ብድኅርዚ ብውሽጢ ዚደፍእ ብደገ ኸኣ ዚስሕብ ከይሃለወ፡ ብጥበብ እግዚአብሔር ካብ ጸልማት ናብ ብርሃን፡ ካብ ጸቢብ ናብ ሰፊሕ ዓለም ይመጽእ። ኣብዚ ጊዜ ኸኣ ሕፃን ተወልደ ይበሃል /ዮሐ 16፡21/።

ሕፃን ከም ዝውለድ ዝገብር እግዚአብሔር እዩ። ቅዱስ ዳዊት “ግናኸ ካብ ማኅፀን ወላዲተይ ብደኃን ክውለድ ዝገበርካኒ ሕፃን ከለኹ ኸኣ ዝሓለኻኒ ንስኻ ኢኻ” ብምባል ተዛሪቡ ኣሎ /መዝ 22፡9/። ነዚ ኂዙ ቅዱስ ኣትናቴዎስ “ደጊምካውን ካብ ማኅፀን ተውፅኦ” ይብል። ብተወሳኺውን “ዓይኑ ትኸፍት ጎሮሮኡ ከፊትካ ተብክዮ፡ ኢዱን እግሩን ተንቀሳቕሶ….” ናይዚ ኣንቀጽ እዚ ሓተታ ናይ ቅዳሴ ኣትናቴዎስ ትርጓሜ “ ሕፃን ኪውለድ ከሎ ዓይኑ ይኸፍት፡ ጎሮሮኡውን ይኽፈት፡ ናይ እግዚአብሔር መልኣኽ ንዝቕበረሉ መቓብር ከፊቱ ብሕሊና የርእዮ። ከምኡውን ካብቲ ዝቕበረሉ ምድሪ ሓመድ ኣምጺኡ የጥዕሞ። ሽዑ ኣምሪሩ ይበኪ። ክበኪ እንከሎ ንብዓት የብሉን፡ ንብዓቱ ክመውት እንከሎ እዩ ዝፈስስ” ብምባል ኣቐሚጥዎ ኣሎ።

ወዲ ሰብ ብዛዕባ ኣፈጣጥራኡ ኪምርምር እንከሎ ናይ እግዚአብሔር ውዕለት ይርዳእ። ብናብራኡ ምምራር ገዲፉ ኸኣ ናብ ምምስጋን ይምለስ። ቅዱስ ዳዊት “ንስኻ መስተንክር ኢኻ፡ ድንቂ ጌርካ ፈጢርካኒ ኢኻ እሞ ከመስግነካ እየ። ግብርታትካ መስተንክር እዩ ኣነውን ኣጸቢቐ እፈልጦ እየ። ኣዕጽምተይ ምስ ተፈጥራ ኣብ ማኅፀን ኣደይ ከኣ ብጥንቃቐ ምስ ተሠርዓ፡ኣብኡ ብኅቡእ ክዓቢ ኸሎኹ፡ ኣብኡ ኸም ዘሎኹ ረኣኻኒ። ኣዕይንትኻ ድቂ ኸሎኹ ረኣያኒ። እቲ ምዱብ ዕድመይ ገና ኸይጀመረ እንከሎ ገና ኣብ መጽሓፍካ ጽሑፍ እዩ” ብምባል ዚተዛረበ ኸኣ ብዛዕባ ኣፈጣጥራኡ ብናይ መንፈስ ቅዱስ መነጸርነት ኪምርምር ስለ ዝኸኣለ እዩ /መዝ 139፡14-16/።

ካብ ዘይምውላድ ምውላድ ይኃይሽ። ምኽንያቱ ምውላድ ኣብ ልቦና ናይቲ ዝፍቶ ፈጣሪ ሓደ ተባሂልካ ምቚጻር ኣብ ልዕሊ ምዃኑ ንዘለዓለማዊ ሕይወት ምሕጻይውን እዩ። እንተ ኾነ ግና ተወሊድካ ብኽፉእ ግብርኻ ካብ ምዅናንሲ ካብ ጥንቱ ዘይምውላድ ይኃይሽ። መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ብዛዕባ ይሁዳ ክዛረብ እንከሎ፦ “እቲ ሰብ እትስ እንተ ዘይውለድ ምኃሾ ነይሩ” ዝበለ ኸኣ በዚ እዩ /ማቴ 26፡24 ትዳርና ተላጽቆ 2ኛ እትም ገጽ 43/።

ናይ ጥንሲ ኣተዓባብያ ቅልጡፍ እዩ። ምስ ተወለደ ግና ኣተዓባብያኡ ከምቲ ኣብ ጊዜ ጥንሲ ዝነበረ ኣይቅልጥፍን እዩ። ይኹን ደኣ እምበር ካብቶም ናይ መጀመርታ ኣሥራው ጀሚሩ ካልእ ዝቐልጠፈ ናይ ዕብየት ምዕባለታት ይኽሠት። ኣብዚ ጊዜ እዚ ድማ ካብ ቊልዕነት ናብ ናይ ንእስነት ናይ ምልዋጥ መሥርሕ ይጅምር፡፤

“በበሕቅ ልህቀ” ከም ዝተባህለ ዋላ ደኣ በበንእሽተይ ይኹን እምበር ኵሉ ሰብ እናዓበየ ምስ ከደ “ምሉእ ሰብ” ዝበሃል ክንዲ ኣዳም ምስ ኮነ እዩ። ዓቕሚ ኣዳም ከም ዝበሃል ማለት እዩ። እዚ ኸኣ 30 ዓመት እዩ። ኣዳም ኪፍጠር ከሎ ወዲ 30 ዓመት በጽሒ ነበረ። ዓመት ዝመልአ ጠቦት ጐድኒ ደኣ እምበር ቁመት ከም ዘይውስኽ፡ 30 ዓመት ዝመልኦ በጽሒ ድማ ይረጉድን ይኽስዕን ደኣ እምበር ቁመት ኣይውስኽን እዩ።

ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ከም እኹል ሰብኣይ እምበር ብኣእምሮ ከም ሕፃናት ከይንኸውን ይመክር እሞ፡ ምዕባይ ከም ዘድልየና ይነግረና። ዕብየትና ክሳዕ ኣበይ ምዃኑ ኺነግረና እንከሎ ኸኣ “ምሉእ ሰብ ናብ ምዃን” ይብለና። ናይ ምሉእ ሰብኣይ መለክዒ ክሳዕ ኣዳም ወይ ክሳዕ ካልኣይ ኣዳም “ብጹሐ አምጣን በአቅመ ፍጻሜሁ ለክርስቶስ” (ክሳዕ እቲ ንኣካለ መጠን ዝበጽሐ ክሳዕ ክርስቶስ) ብዕድመ ምብጻሕ ምዃኑ በዚ መልክዕ ገሊጽዎ ኣሎ፦ “ናብ እኹል ሰብኣይ ናብ ክርስቶስ ምልኣት ብጽሕና ክሳዕ እንበጽሕ እዩ” ይብል /ኤፌ 4፡13-15/።

ቅዱስ ኤጲፋንዮስ ኣብ ቅዳሴኡ እኹል ሰብ ወይ መንእሰይ ዝበሃል ከመይ ምዃኑ ኺገልጽ እንከሎ፦ “ወልህቀ በበሕቅ እስከ ወርዘወ በአምጣነ ብእሲ” ይብል /ቅዳ. ኤጲፋ. ቊ 54/። “ምሉእ ሰብ” ዝበሃል መንእሰይ እዩ። መንእሰይ ማለት ድማ ኣብ መንጐ ቊልዕነትን በጽሕን ዘሎ ዕድመ እዩ (መዝገበ ቃላት ትግርኛ ብተክአ ተስፋይ)።  ብተወሳኺውን በጽሒ ጐበዝ ንዘርኢ ዝበጽሐ ማለት ከም ዝኾነ ዝትንትን መዝገበ ቃላት ኣሎ (ዘርጋው የአማርኛ መዝገበ ቃላት ኪዳነ ወልድ ክፍሌ)። ናይ ግእዝ ቋንቋ ድማ መንእሰይ (ጐበዝ) ንምባል “ወሬዛ” ንብዙኅ ቊጽሪ መንእሰያት (ኣጓብዝ ጐራዙ) ክብል እንከሎ ድማ “ወራዙት” ይብል።

ኣቐዲሙ ከም ዝተገለጸ “ምሉእ ሰብ” ዝበሃል ንዋያት ዝተማልኡሉ ማለት ህዋሳት ዚተደላደሉሉ፡ ከም ልቡ ኪሓስብን ኪንቀሳቐስን ክዛረብን ዝኽእል ሰብ እዩ። “ምሉእ ሰብ” ኃላፍነት ኪወስድ ይኽእል። “ምሉእ ሰብ” ብዛዕባ ርእሱ ኺገልጽ ይኽእል። መልሲ ንምሃብ ብቑዕ ብምዃኑ ኸኣ ኣብ ኵሉ ንእኡ ዝምልከት ጉዳይ ይሕተት። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እቲ ዓይኑ ብተኣምር ናይ ፈጣሪ ዚተፈወሰን ኣቕሚ ኣዳም ዝበጽሐን ወለዱ መብርሂ ክህቡ እንከለዉ፦ “..ንእኡ ሕተትዎ ንሱ በጽሒ እዩ፡ ብዛዕባ ርእሱ ባዕሉ ይዛረብ” ክብሉ ንሰምዖም /ዮሓ 9፡21-23/። ካብ ኣዘራርባ ናይዞም ወለዲ “ምሉእ ሰብ” ዝበሃል ብዛዕባ ርእሱ ኽዛረብ ዝኽእል፡ ሓሲቡ ዚሠርሕን ተሓቲቱ ዝምልስን ከም ዝኾነ ኽንርዳእ ንኽእል። ብሓፈሻ “ምሉእ ሰብ” ዝበሃሉ ኵሉም እቶም ንዓቕሚ ኣዳም ዝበጽሑ ኣወዳትን ንዓቕሚ ሔዋን ዝበጽሓ ኣዋልድን እዮም።

Wednesday 18 January 2017

ናይ ቅዱስ ዮሓንስ አፈወርቅ ሕይወቱን ትምህርቱን መበል 23 ክፋል


..ኣብ ቁስጥንጥንያ ዚነበሩ ናይ ቤተ ክርስቲያን ዘይኮኑስ ናይ ኣውዶክስያ ተለኣኣኽትን ገበርትን ኃደግትን ከም በዓል ሴቬሪያንን ኣካክዮስን ነቲ ንጉሥ ናይ ቅዱስ ዮሓንስ አፈወርቅ ስደት ንኸጽንዕ  ኪደፋፍእዎ ጀመሩ። ኣብቲ ጊዜ እቲ ኣብ ሶርያ ናይ ሎዶቅያ ጳጳስ ዚነበረ ኤሊጵድየስን ካልኦትን ነቲ ንጉሥ ንቕዱስ ዮሓንስ አፈወርቅ ከሳድደሉ ዝኽእል ምኽንያት ከም ዘየለ ኣረድኡዎ። “ቅዱስ ዮሓንስ አፈወርቅ ካብ መጀመርታኡውን እንተ ኾነ ብኃይሊ መንግሥቲ ከም ዝስደድ ደኣ ኾነ እምበር ካብ መንበሩ ኣይወረደን። ክምለስ ከሎ ውን ነቲ ንስኻ ብህጹጽ ክምለስ ዝጸዋዕካዮ ጻውዒት ደኣ ተኣዘዘ እምበር፡ ናብ ቤተ ክርስቲያን ናብ መንበሩ ብፍቓዱ ኣይኣተወን። ብተወሳኺ ድማ እዞም ሕጂ ዚጠቕስዎም ዘለዉ ቀኖናታት ብመናፍቓን ዚተወሰኑ እዮም” በሉዎ።

ናይ ቅዱስ ዮሓንስ አፈወርቅ ጸላእቲ ድማ ብዓው ዓውታን ብዝተፈላለየ መንገድታትን ሓሳባቶም ተቐባልነት ንኽረክብ ይጽዕሩ ነበሩ። ኣብዚ ጊዜ ጳጳስ ኤሊጵድስ ከምዚ በለ፦

“ኦ ንጉሥ እዞም ከሰስቲ ዝኾኑ ጳጳሳት ኣኅዋትና  ኣካክዮስን ኣንቶቂዮስን ንናይ ስደት ውሳኔኦም ከም መርትዖ ጌሮም ዚጠቕሱዎም ዘለዉ ቀኖናታት፡ ‘ናይቶም ሃይማኖቶም ዝቐንዐ ኦርቶዶክሳውያን ኣቦታት እዮም ይበሉ፡ ንሳቶም ድማ ምስቶም ነዚ ቀኖና ዚጠቕስዎ ዘለዎ ዚሠርዑ ኣቦታት ሃይማኖቶም ሓደ ምዃኑ ይዛረቡ፡ ሽዑ  እዚ ዅሉ ክርክር በዚ ክውዳእ እዩ” በለ። እቲ ንጉሥ ድማ እዚ ሓሳብ እዚ ንውሳኔ ምቹእን ቀሊልን ስለ ዝኾነ ንበዓል ኣካክዮስ “ካብዚ ዝኃይሽ መገዲ የልቦን” በሎም። ሽዑ ኣዝዮም ተጨነቑ። እንተ ኾነ ግና ነቶም ቀኖናታት እንተ ተቐቢሎም ኣርዮሳውያን ስለ ዘብሎም፡ ብዘይ ፍቓድና በዚ ኵነታት ተገዲድና ዝተዛረብናዮ እዩ ብምባል ቃሎም ዓጸፉ። ኮይኑ ግና ነቲ ንጉሥ ንናይ ቅዱስ ዮሓንስ አፈወርቅ ስደት ንኸጽንዕ ብዝከኣሎም ኵሉ ምድፍፋእ ቀጸሉ።

ዋላ እኳ እቲ ነገር ከምዚ እንተ ኾነ ናይ ንጉሥን ናይ ንግሥትን ስለ ዚነበረ ግና ንኽስደድ (ንኽእሰር) ተፈርደ። ንሱ ግና ነታ እግዚአብሔር ሓደራ ዚሃቦ ቤተ ክርስቲያን ኣይገድፍን ብምባል ምምሃሩ ቀጸለ። እንተ ኾነ ግና እቲ ነገር ኣብ መንጎ ሕዝብን ኣብ መንጎ ናይ መንግሥቲ ወተሃደራትን ደም ምፍሳስ ዘምርሕ ብምዃኑ ኣብ ውሽጢ መንበረ ጵጵስናኡ ተወሲኑ ተቐመጠ።

 ብ404 ዓ.ም ጳጳሳትን ካህናትን ንናይ ትንሣኤ ወዜማ ለይቲ ንብዙኃት ንኡሰ ክርስቲያን ምሥጢረ ጥምቀት ንምፍጻም ኣብ ምድላው እንከለዉ በቶም ወተሃደራት  ብዙኅ ግፍዒ ወረዶም። እቶም ተጠመቕቲ ተቐጥቀጡን ተንከላበቱን፡ ናይ ምሥጢረ ቊርባን ንዋየ ቅድሳት ብወተሃደራት ናይ ኣሕዛብ ረኸሱ። ካህናት ኣብ ኣገልግሎት ከለዉ ነቲ ለቢሶምዎ ዚነበሩ ልብሰ ተክህኖ ተኸዲኖም እንከለዉ ኣኣውፂኦም ናብታ ኸተማ ሰጎጉዎም። ናይታ ለይቲ እቲኣ ኃዘን ኪትዝክሮ ከለኻ ኣዝዩ ዘስካሕክሕ እዩ። ጳላድዮስ ብዛዕባዚ ኪዛረብ ከሎ “ንዑሰ ክርስቲያን ክጥመቕሉ ዚተዳለወ ናይ ጥምቀት ማይ ብደም ተበከለ፡ እታ ንሥርየተ ኃጢአት ኪተከውን ዚተዋህበት ቤተ ክርስቲያን ምፍሳስ ደም ተፈጸመላ” ይብል። ናይ ሓጐስን ናይ ሓሴትን ዚነበሩ ናይ ትንሣኤ ሳምንታት፡ ኣብቶም ክርስቲያን ናይ ሰቆቃን ናይ ኃዘንን ሳምንታት ኮኑ። ናይ ግለ ሰባት መንበሪ ኣባይቲ እናተወረሩ፡ ነቶም ናይ ቅዱስ ዮሓንስ አፈወርቅ ኃገዝትን ናይ ቀረባ ደገፍትን ዝኾኑ ጥራይ ዘይኮነስ ደገፍቱ ኸይኮኑ ኣይተርፉን እዮም ተባሂሎም ዚተጠርጠሩ ኵላቶም እናተገረፉን እናተቐጥቀጡን እናተሳቐዩ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ተደርበዩ

ንሱ ድማ ኣብ ውሽጢ መንበረ ጵጵስናኡ ተወሲኑ እንከሎ ክልተ ጊዜ ዚተገብረሉ ፈተነ ቕትለት ደኃነ። መጀመርታ ሓደ ርኹስ መንፈስ ዝኃደሮን ኣእምሮኡ ዚሰሓተን ዚመሰለ ሰብ፡ በሊሕ ሳንጃ ኂዙ ንቕዱስ ዮሓንስ አፈወርቅ ንምቕታል እናጎየየ እንከሎ ብሕዝቢ ተታኂዙ ንኣማሓዳሪ ናይታ ኸተማ ተዋህበ። ቅዱስ ዮሓንስ አፈወርቅ ግና ጳጳሳት ልኢኹ ብመግረፍትን ብስቓይን ከይተመርመረ እንከሎ ከም ዝፍታሕ ገበረ። ካልእ ሰብ ድማ ከምኡ በሊሕ ነገር ኂዙ ብሥዉር እናጎየየ ንዝኾነ ክኅዞ ዚመጸ ሰብ እናወግአ ብምድርባይ ናብቲ መንበረ ጵጵስና እናጎየየ ብምኻድ ኪቐትሎ ምስ ሓሰበ እቲ ሕዝቢ ብኽንደይ ጭንቂ ኂዙ ኣትረፎ። 

ናይ በዓል ቴዎፍሎስ ናይ ውልቀ መላኽነት ውፅኢት ኣብ ቤተ ክርስቲያን ነዚ ዝኣመሰለ ደም ምፍሳስን ስቓይን ኣምጽአ። ናይ እስክንድርያ ፓትርያርክ ቴዎፍሎስ በዚ ኽፉእ ሥርሑ ምናልባት ንእግዚአብሔር ዘሐጐሰ ዶ መሲሉዎ ይኸውን፧ “አረ እቲ ዚቐትለኩም ዘበለስ ንኣምላኽ ኣገልግሎት ዜቕርበሉ ኸም ዘሎ ዚመስሎ ጊዜ ኽትመጽእ እያ” ብምባል ጐይታና ብሓቂ ተዛረበ /ዮሐ 16፡2/። ኣብቲ መጀመርታ ዚገበሮ ናይ ሓሶት ውንጀላን ፍርድን፡ እግዚአብሔር ንነገሩ ብተኣምራት ምስ ኣፍሸለሉ እንታይ ኮይኑ እዩ ጌጋኡ ፈሊጡ ምስቲ ናይ እግዚአብሔር ሰብ ሰላም ዘይገብር፧ ለካ ፍቕሪ ሥልጣን ውልቀ መላኽነት፡ ትምክሕትን ቅንኣትን ማዕረ ኽንድዚ ኣእምሮ ሰብ የዕዉሩ እዮም! “ቅንአት ትበልዖሙ ለልበ ብዙኃን በመዓት እስመ በቅንአትሰ ኢይትረከብ ጸጋ እግዚአብሔር - ቅንኣት ንናይ ብዙኃት ልቢ የቃጽል፡ ብቕንኣት ድማ ጸጋ እግዚአብሔር ኣይርከብን” ዚተባህለ ድማ ነዚ እዩ /መኃ 8፡6/። ኣብ ናይ መወዳእታ ሰነ ዕለት 5 404 ዓ.ም እቲ ንብዙኅ ጊዜ ክማታእ ዚጸንሐ ንጉሥ ኣርቃድዮስ ናይ ቅዱስ ዮሓንስ አፈወርቅ ናይ ስደት ውሳኔ ኣጽደቖ። ቅዱስ ዮሓንስ አፈወርቅ ድማ ነቲ ውሳኔ ብፍጹም ጸጥታ ተቐበለ። ምስቶም ምስኡ ዚነበሩ ጳጳሳት ኣብ መንበረ ጵጵስናኡ ናይ መወዳእታ ጸሎት ምስ ፈጸሙ፡ ነቶም ጳጳሳትን ኣብኡ ዚነበሩ ካህናትን “ኣነ ከዕርፍ ክኸይድ እየ፡ ንስኻትኩም ንጊዜኡ ኣብዚ ጽንሑ” በሎም። ንሳቶም ድማ ብዓሚቚ ኃዘን ተዋሕጡ። ብድኅሪኡ ነተን ንድኻታትን ንሽጉራትን ብምኅጋዝን ብጠቕላላ ሕይወተን ንኣገልግሎት ቤተ ክርስቲያን ዝሃባን ኵሉ ጊዜ ካብ ቤተ ክርስቲያን ዘይፍለያን ኦሎምፒያስን ንኻልኦትን ጸዊዑ ከምዚ በለን፦

“ናተይ ጉዳይ ናብ ፍጻሜ ገጹ ከም ዝበጽሐ ይርኣየኒ ኣሎ፡ መገደይ ወዲአ ኣለኹ፡ ብድኅሪ ሕጂ ገጸይ ትርእያ ኣይመስለንን። ንኣኻትክን ዝሓተክን ሓደ ነገር እንተ ሃልዩ፦ ንቤተ ክርስቲያን ዘለክን ቅኑዕ ኣመለኻኽታን ኣገልግሎትን ዋላ ሓደ ኣየሰናኽልክን፡ ንቤተ ክርስቲያን ዘለክን ኣገልግሎት ቀጽላ። ኣብ ናተይ ቦታ ዚትካእ ሰብ ንሱ ሽመት ከይደለየን ብዘይ ፍቓዱን ከምኡውን ብናይ ኵላቶም ስምምዕ ዚሽየም እንተ ኾይኑ፡ ልክዕ ከም ዮሓንስ (ከም ነብሱ) ጌርክን ተቐበልኦ፡ ከምቲ ንኣይ ዚገበርክናለይ ንእኡ ድማ ተኣዘዝኦ፡ ቤተ ክርስቲያን ብዘይ ጳጳስ ኪትከውን ስለ ዘይትኽእል። ከምዚ እንተ ጌርክን ምሕረት ኪትረኽባ ኢኽን። ንኣይ ድማ ብጸሎትክን ደግፋኒ።”...

Monday 16 January 2017

ንቕሑ ኣብ እምነትኩም ጽንዑ ሰብኡት ኩኑ በርትዑ ኩሉ ግብርኹም ከኣ ብፍቕሪ ግበርዎ 1ይ ቆሮ 16፡13


በስመአብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ፩ዱ አምላክ ኣሜን


እቲ እዋን ዓርቢ ናይ ምሸት ከባቢ ሰዓት ኃሙሽተ ኣቢሉ እዩ ነይሩ። ከምቲ ልሙድ ኵልና መንእሰያት ኣባላት ቤት ትምህርቲ ሰንበት ቃለ እግዚአብሔር ንምምሃርን መዝሙር ንምልምማድን ተኣኪብና ነበርና። መኽፈቲ ጸሎት ጀሚርና ኣብ ፍርቂ ምስ በጻሕና ግና ብሃንደበት ኣዝዩ ዘሰንብድ ድምፂ ኣብ ማእከልና ተሰምዐ። ሓንቲ ቅድሚ ሕጂ ርእየያ ዘይፈልጥ ብደጊኣ ኣዝዩ ሰሓቢ መልክዕ ዘለዋ ጐርዞ ብዓቢ ድምፂ እናገዓረት ናብ መሬት ጻሕ ኢላ ኪትወድቕ ረኣኹዋ። ዳርጋ ዝበዛኅና ሰንቢድና ጸሎትና ኣቋረጽናዮ። ብድኅርዚ  ኣርባዕተ ዲያቆናት ተሰኪሞም ናብ ካልእ ክፍሊ ኽወስድዋ ኣቦይ ቀሺ ኣመልከትሎም። ንሳቶም ድማ ተሰኪሞም ካብ ማእከል ጉባኤ ኣውፂኦም ንበይና ኣብ ጽምው ዝበለ ንፋስ ኪትረኽበሉ እትኽእል  ኽፍሊ ወሰድዋ። ሓንቲ ኣደ ውን ንብዓት ካብ ዓይነን ጀረብረብ እናበለ ተኸቲለንኦም ወፃ፡ ድኂረ ከም ዝፈለጥኩዎ ኣደ ናይዛ ሓሚማ ዘላ ጓል ምዃነን ኣረጋገጽኩ። ኣቦይ ቀሺ ድማ ንነዊኅ ጊዜ ኣብ ልዕሊ እታ ሓሚማ ዝነበረት ኃፍትና ዳዊት እናደገሙ ብምጽላይ ናብ ልባ ከም ትምለስ ገበርዋ። ብድኅርዚ ኣቦይ ቀሺ ንኣናውን ክምህሩና ንጽበዮም ስለ ዝነበርና ማይ ደግሚ ሂቦምዋ ናባና ተመልሱ። እታ መንእሰይ ኣብ ከም’ዚ ዕድሚኣ ብርኹሳት መናፍስቲ ምትኃዛን፡ ናይ ኣዴኣ ብኽያትን ርእዮም ምኽኣል ስለ ዝሰኣኑ ዓይኖም ንብዓት ቊጽርጽር እናበለ እዮም መጺኦምና።

 ገና ትምህርቲ ኽጅምሩ ምስ በሉ ብሃንደበት እተን ኣደ ብብኽያትን ብኃዘንን ኣዕይንተን ደም መሲሉ፡ ብንብዓት ምዕጉርተን እና ተሓጸባ ከም ማርያም በዓልቲ ጨና ኣብ ቅድሚ ኵላትና ኣብ እግሪ ኣቦይ ቀሺ ተደፊእን ተናስሓ። ኣቦና ብተግባራተን ስለ ዝተሰናበዱ ብቕልጡፍ ካብቲ ዝወደቓሉ መሬት ኣተንሦኦም መስቀል ክሳለማ ሃብወን። እተን ኣደ ግና ብዝፈጸምኦ ኃጢኣት ፍጹም ተጣዒሰን ንኣናውን መምሃሪ መታን ክኾነና ብዛዕባ እቲ ኵነታት ከምዚ እናበላ ዘርዚረን ነገራና “እዞም ደቀይ መለበሚ ኣይግበርካ መለበሚ ኣይኽላእካ ከም ዝበሃል እዚ ሕይወት ናተይን ናይ ጓለይን መለበሚ ይኹንኩም። ጓለይ ካብ ሕፃንነታ ቤተ ክርስቲያን ክትዓብየለይ ይምነ ስለ ዝነበርኩ፡ ቃለ እግዚአብሔር እናተማህረት እያ ዓብያ፡ ዓቕሚ ሔዋን ምስ በጽሐት ግና ገንዘብ ስለ ዝሰሳዕኩ ንሓደ ንኣኣ ዘይመስል ብዘይካ ገንዘብ እኳ ኣምላኽ ዘሎ ዘይመስሎ ሃብታም ሰብ ክትምርዖ ገዲደያ። እዚ ዅሉ ዝገበርኩ ድማ ንባዕለይ ገንዘብ ስለ ዝሰሳዕኩ እምበር ንኣኣ ሓልዮት ኣይነበረን። እቲ ጸሎትን ፍርሃት እግዚአብሔርን ዘይብሉ ሓዳር፡ እቲ ሰላም ዝሃደሞ ቆዮቛን ባእስን ዝመኣዱ ሓዳር ዕረ ስለ ዝጠዓማ ድማ ንእኡ ገዲፋ ደገ ደገ ክትብል ጀመረት ኣላዪ ስለ ዝሰኣነት ድማ  ግዝእቲ ናይ ድራግን (ሓሽሽ) ኣልኮላዊ መስተን ኮነት። ኣነ ድማ ተፈዊሳ እያ እናበልኩ ኣብ ፈቐዶ እንዳ ጠንቆልቲ ክኸይድ ጀሚረ። እቲ ካብኡ ዘምጽኣላ ኣፋውስ ድማ መመሊሱ ካልእ ዝገደደ ሕማቕ መንፈስ ከም ተኅድር ጌርዋ። ሕጂ ግና ዓቕለይ ምስ ጸበበኒ ኣማራጺ ምስ ሰኣንኩን ውሽጠይ ብዝገበርኩዎ ኃጢኣት እናወቐሰኒ ኣብራኸይውን ራዕ ራዕ እናበለኒ ናብዚ ቅዱስ ቤት ክመጽእ ተገዲደ። እዞም ደቀይ በጃኹም በጃኹም ነዚ ኂዝኩምዎ ዘለኹም ጕዕዞ ኣጽኒዕኩም ኃዝዎ ጽንዑ ኣብ እምነትኩም ጽንዑ..” ብምባል ደጋጊመን ምስ ተማሕጸናና ኣብ መንጎ ንብዓት ስዒርወን፡ ገጸን ብነጸላአን እናሸፈና ኃዲገናና ናብቲ ጓለን ዘላቶ ክፍሊ ተመልሳ።
 ብድኅርዚ ኣቦይ ቀሺ “ተመስገን ኣምላከ ኣበዊነ፡ ንዳዊት ካብ ዝሙት፡ ንጴጥሮስ ካብ ክሕደት ነቲ ብየማንካ ተሰቒሉ ዝነበረ ሽፍታ ድማ ካብ ኵሉ ግብሪ ኃጢኣት ኣንጺሕካ ንስሓኦም ዝተቐበልካ ኣምላኽ ኣቦታትና እግዚአብሔር፡ ናትና ናይ ባሮትካ ንስሓውን ተቐበል። በዚ ዕለት እዚ ንሕና ደቅኻ መታን ክንመሃር ነዘን ኣደ ስለ ዝሰደድካልናውን ነመስግነካ” ብምባል ንኣምላኽ ድኅሪ ምምስጋን “በሉ እዞም ደቀይ ሎሚ እግዚአብሔር በዘን ኣደን ጓልን ገይሩ ብዙኅ ምሂርና ኣሎ። ብፍላይ እዘን ኣደ ኣብ መወዳእታ ደጋጊመን ዝተዛረብኣ ቃል ኣስተውዒልኩምላ ዶ? ኢሎም ሓተቱና ንሕና ድማ እታ “ኣብ መወዳእታ እተን ኣደ ደጋጊመን  ዝተዛረብኣ ኣብ እምነትኩም ጽንዑ ጽንዑ” እትብል ቃል፡ ኣብ ልብና ከም ደወል ትሃርም ስለ ዝነበረት፡ “እወ ኣቦና ኣስተውዒልናላ ኣለና ጽንዑ ኣብ እምነትኩም ጽንዑ እየን ኢለናና” ብምባል ነቦና መለስናሎም። 

ኣቦና በቲ ንብዓት ዝቖጸረ ኣዒንቶም ናባና እናጠመቱ  ፈገግ ድኅሪ ምባል። ግርም ግርም እዞም ደቀይ። ከምቲ ኣቦና እዮብ እግዚአብሔር ብሓደን ብኻልእን መገዲ ይዛረብ፡ ሰብ ግና ኣየስተውዕሎን እዩ” ዝበሎ ከይንኸውን ንዅሉ እንርእዮን እንሰምዖን ከነስተውዕሎ ይግብኣና እዩ። በሉ ሎሚ መዓልቲ በዚ እዘን ኣደ ዝተዛረብኦ ቃል መሠረት ኢና ክንመሃሃር። ሐዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ንሰብ ቆሮንጦስ ኣብ ዝሰደደሎም ቀዳመይቲ መልእኽቱውን ከምዚ እዩ ዝብል “ንቕሑ ኣብ እምነትኩም ጽንዑ ሰብኡት ኩኑ በርትዑ ኵሉ ግብርኹም ብፍቕሪ ይገበር” እወ እዞም ደቀይ እዚ ዘመን ንቕሓት ዘድልዮ ዘመን ስለ ዝኾነ እዩ ቅዱስ ጳውሎስ “ንቕሑ” ክብል ኣዚዝና። ምኽንያቱ እዚ ዘለናዮ ናይ ህልቀተ ዓለም ዋዜማ እዩ። ኣብዚ ዋዜማ ናይ መዋዳእታ ዓለም ብዙኃት ጠንቆልትን ሓሰውቲ ነቢያትን ብስመይ ክመጽኡ እዮም፡ ሰብ ፈታው ገንዘብ ክኸውን፡ ሃይማኖት ብኽሕደት እናተሸፈነት፡ ሓሶት ካብ ሓቂ እናደመቐት ክትመጽእ ምዃና ቃሉ ነጊርና እዩ። ስለዚ ሓሚምና ናብቲ ሓቀኛ ማየ ጸሎትን ናብ ቤተ እግዚአብሔርን ደኣ ክንከይድ ይግበኣና እምበር፡ ናብቲ ናይ ሰይጣን ሥራሕ ብጋህዲ ዝረኣዮ ናብ ጠንቋሊን ናብዞም ንፍውስ ኢና እናበሉ መስቀል ጨቢጦም ቆቢዕ ደፊኦም ሰባት ዝእክቡ ሓሰውቲ ነቢያት ክንከይድ ኣይግበኣናን እዩ። እዞም ደቀይ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ “ካብ ሓሰውቲ ነቢያት ተጠንቀቑ..ቆርበት በጊዕ ተኸዲኖም ካብ ዝመጹ ተዃሉ ተጠንቀቑ” ብምባል ቆርበት በጊዕ ማለት መስቀል መጽሓፍ ቅዱስን ስም ኣምላኽን ስም ቅዱሳንን ዋላ እንተ ጸውዑ በዚ ክንደናገር ከም ዘይብልናን ክንስዕቦም ከም ዘይግበኣናን ኣቐዲሙ ነጊርና እዩ። ብዛዕባ ጠንቆልቲ ድማ  ነቢይ ኢሳያስ ኣብ ምዕ 8፡17-22 ከምዚ ይብል “ኣነን እቶም እግዚአብሔር ዝሃበኒ ደቅን ኣብ ከረን ጽዮን ዝነብር ጐይታ ሠራዊት፡ ኣብ እስራኤል ንትእምርትን ንተኣምራትን ኴንና ኣለና። ነቶም ብሕሹኽሹኽን ብሰላሕን ዝዛረቡ ጠንቆልትን ኣስማተኛታትን ጠይቑ እንተበሉኹም ፡ ንስኻትኩም ከኣ ሕዝቢ ዶ ንኣምላኹ ኣይሓትትን፡ ብዛዕባ ሕያዋን ከ ንምዉታት ዶ ይሕተት እዩ ኢልኩም መልስሎም” እዩ ዝብል።  ቅዱስ ዮሓንስ ድማ ብዛዕባ ንጠንቆልትን ሰዓብቶምን ዝረኽቦም መከራ ኣብ ራእ ዮሐ ምዕ 221፡8 “እቶም ጠንቆልቲ…ግና ግዲኦም ኣብቲ ብሓዊ ዚነድድ ቀላይ እዩ” ብምባል ፍጻሜኦም ገሃንመ እሳት ከም ዝኾነ ይነግረና። ስለዚ ድማ እዩ እዚ ሓዋርያ ንቕሑ ዝበለና እሞ ነዚ ዘመን ንንቅሓሉ እዞም 

ናብታ ኻልኣይቲ “ኣብ እምነትኩም ጽንዑ” ትብል ዘላ ቃል ምስ እንኸይድ ድማ ኣዝያ ወሳኒት ቃል እያ። ብዙኃት ካባና እምነት ኣለና ኢና ንብል ኣብ እምነትና ግና ጽኑዓት ኣይኮንናን። እምነት ዝበሃል ብኣፍካ ኣምላኽ ኣሎ ኢልካ ምእማን ጥራይ ኣይኮነን። ሰይጣንውን ኣምላኽ ከም ዘሎስ ይኣምን እዩ። ብእግርኻ ቤተ ክርስቲያን ምምልላስ ጥራይ ውን ኣይኮነን፡ ብልብና ደኣ እምበር ብእግርና ጥራይ ምምልላስ ዋጋ የብሉን። ብጾምን ብጸሎትን ብንስሓን ብቚርባንን ዘይተሰነየ እምነት እምነት ኣይበሃልን እዩ። እዛ ከምዚኣ ዓይነት እምነት ቅዱስ ያዕቆብ ምውቲ እምነት ኢሉ እዩ ዝጽውዓ። “ኣኅዋተይ ሓደ ሰብ እምነት ኣላትኒ እንተበለ ግብሪ ግና ካብ ዘይህልዎ፡ እንታይ ይጠቅም እዛ እምነት እዚኣ ዶ ከተድኅኖ ትኽእል እያ?...ከምኡ ኸኣ እምነት ግብሪ እንተዘይብላ ንርእሳ ምውቲ እያ” (ያዕ 2፡14-18) ስለዚ እዞም ደቀይ መጽሓፍ ቅዱስ ዝብለና ዘሎ እሞ ስምዕዎ፡ ልክዕ ከምዚ ንሕና ተዋሕዶ ኢና እምነት ኣለና ኢልና ንምክሖ ግብሪ ዘይብሉ ተዋሕዶ ምዃን ንበይኑ ትርጉም የብሉን። ሰብ ኣምላኽ ይኣምን እየ እናበለ ብዛዕባ ኣምላኹ ተሓቲቱ ዘይምልስ፡ ብመጽሓፍ ቅዱስ ይኣምን እየ እናበለ መጽሓፍ ቅዱስ ዘየንብብ፡ ኣበ ነፍሲ ከም ዘድሊ ይኣምን እየ እናበለ፡ ኣበ ነፍሲ ዘይብሉ፡ ብንስሓ ይኣምን እየ እናበለ ዘይንሳሕ፡ ብቚርባን ይኣምን እየ እናበለ ዘይቆርብ፡ እዚስ ካብቶም ኣምላኽ የልቦን ዝብሉ፡ ካብቶም ኣበ ነፍሲ ኣየድልን እዩ ዝብሉን ንስሓን ቊርባንን ኣይጠቅምን እዩ ዝብሉን መናፍቓን ብምንታይ ይፍለ? 

 ከምዚ ንሕና ግብሪ ናይ ደቂ ተዋሕዶ ዘይብልና ክነስና፡ ተዋሕዶ ኢና እናበልና ብኣፍ ጥራይ እንምክሖ፡ ኣይሁዳውያን ውን ንሕና ደቂ ኣብርሃም ኢና እናበሉ ይምክሑ ኔሮም “ክርስቶስ ግና ንስኻትኩም ደቂ ኣብርሃም ምዃንኩም እፈልጥ እየ፡ ግብሪ ናይ ኣብርሃም ስለ ዘይብልኩም ግና ክትቀትሉኒ ትደልዩ ኣለኹም ስለዚ ንስኹም ደቂ ኣቦኹም ደቂ ዲያብሎስ ኢኹም” ክብል እዩ መሊስሎም (ዮሐ 8፡37-41) ስለዚ ንሕና ውን ኣመንቲ እንተዄንና ጽኑዓት ኣመንቲ ንኹን። ኣብ እምነትና ጽንዓት እንተዘይብልና፡ ዲያብሎስ ካብ ሃይማኖትና ከውፅኣና ዝቐለለ እዩ ዝኾነሉ። ቅዱስ ጴጥሮስ መናፍቓን ነተን ዘይጸንዓ ነፍሳት ጥራይ ከም ዘታልልወን ክገልጽ ከሎ ከምዚ ይብል “ዝሙት ዝመልኣ ካብ ኃጢአት ዘየቋርጻ ኣዒንቲ ኣለውኦም፡ ነተን ዘይጸንዓ ነፍሳት ይሓባብልወን ” ብምባል ዲያብሎስ ነተን ዘይጸንዓ ነፍሳት ከም ዝሓባብለን የረድኣና። (2ይ ጴጥ 2፡14) 
ጐይታና ውን ብዛዕባ እምነት ክምህር ከሎ እቲ ለባም ሰብኣይ ቤቱ ኣብ ከውሒ ሓነጸ፡ ንፋስ ነፈስ ዝናም ዘነመ ውኂዝ ወኃዘ፡ ነቲ ቤት ድማ ደፍእዎ፡ ኣብ ከውሒ ስለ ዝተሠረተ ግና ከውድቕዎ ኣይከኣሉን”  እቲ ዓሻ ሰብኣይ ድማ ቤቱ ኣብ ሑጻ ሓነጸ ንፋስ ነፈሰ ዝናም ዘነመ ውኂዝ ወኃዘ ነቲ ቤት ድማ ደፍእዎ ወደቐ ኣዋድቕኡ ድማ ዓቢ ኮነ”ይብል።(ማቴ 7፡24-29) እወ እቲ ጽኑዕ እምነት ዘይብሉ ብንፋስን ማይን ውኂዝን ዝተመሰሉ ዝተፈላለዩ ፈተናታት ይመጽእዎ እሞ ይወድቕ ኣዋድቓኡ ድማ ዓቢ ይኸውን። 

በሉ እዞም ደቀይ ሎሚ ድማ እዚ ኣብ ከውሒ ምሥራትን ጽንዓትን ቀንዲ ንዓኹም እዩ ዘድሊ።  ከባቢኹም ኣዝዩ ብፈተና ዝመልአ እዩ፡ ከምቲ ጐይታና ንሐዋርያት ከም ኣባጊዕ ናብ ማእከል ተዃሉ ይሰደኩም ኣለኹ ዝበሎም፡ ንስኻትኩም ድማ ኣብዛ ብብዙኅ ፈተና ዝተመልአት ዓለም ኢኹም ዘለኹም። ስለዚ ካብዛ ካብ እግዚአብሔር ኮብሊላ ብዙኅ ናይ ክሕደትን ጥርጥርን ንፋስ ትሰድድ ዘላ ምዕራባዊት ዓለም ተጠንቂቕኩም ነፍስኹም ገቲእኩምን ክትከዱ ይግበኣኩም። ሃይማኖትኩምን ባህልኹምን ንጽሕናኹምን ከይትገድፉ ክሳዕ ደም ምፍሳስ ክትጋደሉ ይግበኣኩም። ናቡቴ ርስቲ ናይ ኣቦታተይ ኣይህብን ብምባል ክሳዕ ደም ዝኸፍል ጸኒዑ እዩ፡ ንስኻትኩምውን ነዛ ርስትኹም ዝኾነት ቤተ ክርስቲያን ከምኡ ጸኒዕኩም ተጋደሉላ፡ ሠለስተ መንእሰያት ኣናንያ ሚሳኤል ኣዛርያ ንጣዖት ኣይንሰግድን ብምባል ኣብ እቶን ሓዊ ክሳዕ ዝድርበዩ ኣብ ዓዲ ስደት ኣብ ሃይማኖቶም ጸኒዖም እዮም ንስኻትኩምውን ነዚ ከም ኣምልኾ ጣዖት ዝምለኽ ዘሎ ንገንዘብ ኣይንሰግድን ብምባል ኣብ መንፈሳውነትኩም ክትጸንዑ ይግብኣኩም እዩ፡ ዳንኤል ኣብ ዓዲ ስደት ኮይኑ ንኣምላኽና ንእግዚአብሔር ምጽላይ ኣይገድፍን ስለ ዝበለ፡ ናብ ጕድጓድ ኣናብስቲ ተደርብዩ እዩ፡ ንስኻትኩምውን እዞም ደቀይ ኣብ ዓዲ ስደት ናብ ኣምላኽ ዳንኤል ናብ እግዚአብሔር ካብ ምጽላይ ኣይተቋርጹ። 

በሉ እዞም ደቀይ ትምህርትና ንምዝዛም እዘን ኣደ ካብ ዘዕለላና ታሪኽ ክልተ ነገራት ተመሃሩ፡ እታ ቐዳመይቲ እዛ ኣደ ንገንዘብ ክትብል ንጓላ ካብ ኣገልግሎት ቤተ እግዚአብሔር ኣቋሪጻ ቤተ እግዚአብሔር ናብ ዘይፈልጥ ብጥሪት እዛ ዓለም ሃብታም ብመንፈሳዊ ሕይወት ግና ድኻ ናብ ዝኾነ ሰብ ሸይጣታ፡ እዚ ንዓይን ንዓኹም ዝምህረና፡ እዚ ዘመን እዚ ኃው ንኃዉ ወላዲ ምስ ውሉድ ዝጨኻኸንሉ፡ ኵሉ ፈታዊ ነፍሱ እምበር ናይ ደቁ ናይ ኃዉ ናይ ኃፍቱን ዘየገድሶ፡ ኵሉ ሰብ መፍቀሪ ገንዘብ ዝኾነሉ ዘመን ምዃኑ የርእየና ኣሎ። ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ብዛዕባ ዚ ዘለናዮ ዘመን ኣቐዲሙ ከምዚ ክብል ነጊርና ነይሩ “ኣብተን ዳኅሮት መዓልታት ግና ክፉእ ዘመን ከም ዝመጽእ እዚ ፍለጥ፡ ሽዑ ሳበት ፈተውቲ ርእሶም ክኾኑ እዮም። እሞ፡ ፈተውቲ ገንዘብ ዕቡያት ተጻረፍቲ ንወለዶም ዘይእዘዙ…… ተፈኽነንቲ ካብ ንኣምላኽ ምፍቃርሲ ኣዕዚዞም ተድላ ዝፈትዉ ..መልክዕ ኣምልኾ ዘለዎም ነቲ ሓይሉ ግና ዝኽሕድዎ…” ክኾኑ እዮም ይብል።(2ይ ጢሞ 3፡1-8)

 በዚ ምኽንያት እዩ ኣብ ሳህራ ኣኅዋትና ከም ኣባጊዕ ናብ ጓኖት ብገንዘብ ዝሸጡና ዘለዉ። ኣብ ሲናውን ኵሊት ኣኅዋቶም ኣውፂኦም ዝሸጡ ዘለዉውን ትንቢት ዝፍጸመሉ ምዃኑ ኣስተውዒልና ኣብ እምነትና ዝያዳ ክንጸንዕ እዩ ዝግባእ። “ጐይታና ኣብ ማቴዎስ ወንጌል ጸላኢ ካብ ርሑቕ ኣይመጽእን እዩ… ..ንሰብ ጸላእቱ ቤተ ሰቡ ክኾኑ እዮም” ኢሉ ኣቐዲሙ ዝነገረና ትንቢት ይፍጸም ኣሎ።(ማቴ 10፡36-37) ከምዚ እዘን ኣደ ዝገበርኦ ክነግራና ዝጸንሓ፡ ሎሚ ካብ መናፍቓንን ከሓድትን ንላዕሊ ንኣኹም ቤተ ሰብኩም ክፍትንኹም እዮም እዞም ደቀይ። ንስኹም ግና ነቲ “ካባይ ነቡእን ነዲኡን ወይ ንሰበይቱ ዘፍቅር ንኣይ ኣይበቅዕን እዩ፡ መስቀሉ ጸይሩ ንኣይ ኣይበቅዕን እዩ” ዝበሎ ቃል ዘኪርኩም ኣብ እምነትኩም ክትጸንዑ፡ ከምዚ እዘን ኣደ ዝመሃራና ኣነ ውን ደጊመ ጽንዑ ጽንዑ እየ ዝብለኩም።

 እታ ኻልእ ካብዛ ኃፍትና እንመሃራ ድማ  ሓሚማ ክትሳቐ ክትርእይዋ ዝጸናሕኩም ጓልናን ኃፍትናን ኣብ እምነታ ጽንዓት ኔርዋ እንተዝኸውን ዘረባ ኣዲኣ ኣታሊልዋ ኣይምወፀትን። ኣብ ሑጻ ስለ ዝነበረት ግና “ነቲ ካባይ ነቡኡን ነዲኡን ዘፍቅር ንኣይ ኣይበቅዕን እዩ” ዝብል ቃል ኣይዘከረቶን። ስለዚ እዞም ደቀይ ንወለድኹም ኣኽብሩ እንተኾነ ግና ከምቲ ቕዱስ ጳውሎስ “ንወለድኹም ብጐይታ ተኣዘዝዎም” ዝበለና ኵሉ እንእዘዞም ንፍቓድ ጐይታ ዘይጻረር ምዃኑ ከነረጋግጽ ይግብኣና።(ኤፌ 6፡1-3) ካብ ጐይታ ዝፈሊ ካብ ጾም ካብ ጸሎት ካብ ንስሓን ቊርባንን ዝፈሊ ሓሳብ ግና ናይ ማንም ሰብ ሓሳብ ሓሳብ ሰይጣን ስለ ዝኮነ ጸኒዕኩም ተዋግእዎ። ጐይታናውን “ኣነ ጉንደ ወይኒ እየ ንስኻትኩም ድማ ጨናፍር ኢኹም፡ ጨንፈር ኣብ ጉንዲ እንተዘይጸንዐ ካብ ርእሱ ክፈሪ ከም ዘይከኣል ንስኻትኩምውን ኣባይ እንተዘይጸናዕኩም ከምኡ ኢኹም” (ዮሐ 15፡4)  እዩ ዝብል እሞ ኣብ እምነትና ክንጸንዕ ሰብኡት ክንከውን ኵሉ ድማ ብፍቕሪ ክንገብሮ ኣምላከ ቅዱሳን ይሓልወና። ብምባል ትምህርቶም ዛዘምዎ።
 ምስጋና ንኣብ ንወልድንመንፈስ ቅዱስን ንዘለዓለም ዓለም ኣሜን።