bieteelyas.blogspot.com ቤተ ኤልያስ

Wednesday 29 June 2016


መልሲ ንልቡሳነ ስጋ ኣጋንንንት መበል 22 ክፋል


 በእንተ ቅድስት ሥላሴ

ኣብ መበል10ይ ክፋል ናይ ካሴትካ “እቲ እንዳ ሥላሴ ዚበሃል ቤት መቕደስ ብስም ኣብን ወልድን መንፈስ ቅዱስን ዚጽውዑ ሠለስተ ኣምላኽ ከም ዘለዉ እዩ ዘስምዕ። ኣብ ቤት መቕደሶም ውን ናይ ሠለስተ ኣምላኽ ተባሂሎም ዚፍለጡ  ስእሊ እዩ ዚርከብ። እዞም ሥእልታት እዚኣቶም በብናቶም ውን ቤት መቕደስ ይሥርሓሎም እዩ።ኣብ ቤት መቕደሶም ውን ናይ ሠለስተ ኣምላኽ ተባሂሎም ዚፍለጡ  ስእሊ እዩ ዚርከብ። እዞም ሥእልታት እዚኣቶም በብናቶም ውን ቤት መቕደስ ይሥርሓሎም እዩ።
1ይ እንዳ ብጹዕ አምላኽ ተባሂሉ ዚጽዋዕ ቤት መቕደስ ይህነጽ እዚ ከኣ ናይ እግዚአብሔር ኣቦ ቤት መቕደስ ማለት እዩ።
2ይ እንዳ ጋብር ተባሂሉ ዚጽዋዕ ቤተ መቕደስ ይህነጽ እዚ ከኣ ንመንፈስ ቅዱስ እዮም ገብረ መንፈስ ቅዱስ ዚብል ስም ሂቦም ብስሙ ቤት መቕደስ ዚሃንጹ።
3ይ እንዳ መንኃኔ ዓለም ወይ እንዳ ኢየሱስ ተባሂሉ ዚጽዋዕ ቤት መቕደስ ይሃንጹ።
ነቲ ሓደ በዓለ እግዚአብሔር ኢሎም ከብዕልዎ ከለዉ፡ ነቲ ሓደ ድማ ብስም ጋብር የኽብርዎ፡ ነቲ ሓደ ውን ብስም መድኃኔ ዓለም የብዕልዎ። ኣብ ዚሓለፈ እዋን ነቲ ናይ ተዋሕዶ መጻሕፍቲ የጽንዓሉ ኣብ ዚነበርኩ ጊዜ እቲ ሥላሴ ዚበሃል እግዚአብሔር ዘይኮነስ ካልእ ከም ዚኾነን ምድራዊ ታሪኽ ውን ከም ዘለዎ ካብ ሰብ ከም ዚተወልደን ኣብ ሳልሳይ መዓልቲ ልደቱ ድማ ንኣምላኽ ከም ዘመስገኖን፡ ኣብ ምድሪ ኪነብር ከሎ ውን 50 ኣናብስን 50 ነብርን ይሕልውዎ ከም ዚነበሩን እዚኣቶም ውን ሓመድ ኣሰር ናይ እግሩ ይምገቡ ከም ዚነበሩን ዚገልጽ መስሓቒ ዚኾነ ዛንታ ምስ ረኸብኩ ኣዝየ ተገረምኩ።ብምባል ዝነዛሕካዮ ሓሶት እስከ ሓደ ብሓደ እናርኣና ብኦርቶዶክሳዊ ሚዛን ንምዘኖ”

Ø  እቲ እንዳ ሥላሴ ዚበሃል ቤት መቕደስ ብስም ኣብን ወልድን መንፈስ ቅዱስን ዚጽውዑ ሠለስተ ኣምላኽ ከም ዘለዉ እዩ ዘስምዕ” እዚ ኣተረጓጉማ ካባኻ ዝመንጨወ ፍልጠት ዝጎደሎ ዝምቡዕ ትርጉም እምበር፡ እንዳ ሥላሴ ማለት እንዳ ሠለስተ ማለት ኣይኮነን። ሥላሴ ዝብል ቃል ናይ እግዚአብሔር ሓድነትን ሠለስትነትን ዝገልጽ ድኣ እምበር፡ ሠለስተ ጥራይ ኢሉ ደው ዝብል ኣይኮነን። ሓደ ጥራይ ኢሉ ውን ደው ዝብል ኣይኮነን፡ እንታይ ድኣ ሓደ እንከለዉ ሠለስተ፡ ሠለስተ እንለከለዉ ድማ ሓደ እዮም። እዚ ትምህርቲ እዚ ድማ ካብ ሐዋርያት ጀሚሩ ዝመሃር ዝነበረን ዘሎን ዝነብርን ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ትምህርቲ እዩ። ንኣብነት እቲ ካብ 295-375 ኣቢሉ ዝነበረ፡ ብ325 ኣብ ናይ ኒቅያ ጉባኤ ተረኺቡ ነቲ ናይ ኣርዮስ ናይ ክሕደት ትምህርቲ ብመልኮታዊ ቃል ዝሰዓረን “ኢየሱስ ክርስቶስ ኣምላኽ ወዲ ኣምላኽ እዩ”(ማቴ 16፡16) ዝብል ናይ ሐዋርያት ትምህርቲ ዘጽንዐን ኦርቶዶክሳዊ ናይ እምነት ሓርበኛ ቅዱስ ኣትናቴዎስ ነዚ ከረድኣና ከሎ ከም’ዚ ዝስዕብ እናበለ ይምህረና፥

Ø  አምላክ ውእቱ አብ፡ አምላክ ውእቱ ወልድ፡ አምላክ ውእቱ መንፈስ ቅዱስ ወኢይትበሃሉ ሠለስተ አማልክተ አላ አሐዱ እሙንቱ” ትርጉም “ኣብ ኣምላኽ እዩ፡ ወልድ ኣምላኽ እዩ፡ መንፈስ ቅዱስ ውን ኣምላኽ እዩ፡ ሓደ ኣምላኽ ድኣ እምበር ሠለስተ ኣማልኽቲ ኣይበሃሉን እዮም ይብለና”  (ይማኖተ አበው ዘአትናቴዎስ 254

Ø  ኣብ 310-403 ዓ/ም ኣቢሉ ዝነበረ ቅዱስ ኤጲፋንዮስ ድማ ኣንክሮጦስ ኣብ ዝተባህለ መጽሓፍ “(ቅዱስ ቅዱስ ቅዱስ) ኢሎም ብዛዕባ ዘመስግኑ ብዛዕባ ናይ ሱራፍኤል ናይ ምስጋና ቃል፡ ቅዱሳን ቅዱሳን ቅዱሳን ኣይበሉን። 3 ግዜ ቅዱስ ቅዱስ ቅዱስ ብምባል ብሓደ መለኮት፡ ሓደ ኮይኖም ዝነብሩ ሠለስተ ኣካላት ምዃኖም ገሊጽልና። ቅዱሳን ኣይበሉን ስለ መለኮት ሓድነት ግን ኣሰናፊ እግዚኣብሔር ናይ ጐይቶትነትካ ምስጋና ኣብ ሰማይን ምድርን ምሉእ እዩ በሉ። ኢሳ 6፡1-4 ራዕ 4፡8-10  ሃይማኖተ ኣበው ዘኤጲፋንዮስ ኢሳ 6፡1-4 ራዕ 4፡8-10  ሃ. ኣበው ዘኣባ ገብርኤል 94፡7) ብምባል ብስም ብግብሪ ብኣካል እኳ ሰለስተ እንተበልና፡ ብመለኮት ብስልጣን ብባህሪ ግና ሓደ ኣምላኽ ኢልና ንኣምን እምበር ሰለስተ ኣምላኽ ዝበሃል እምነት ናትና ናይ ተዋህዶ ኣይኮነን። 

Ø  ኣብ 329-379 ዚነበረ ሓደ ካብቶም ዝዓበዩ ናይ ቤተ ክርስቲያን ሊቃውንት ዝኾነ ናይ ቂሳርያ ፓትርያርክ ዝነበረ ቅዱስ ባስልዮስ ውን ነዚ ከረጋግጽ ከሎ “እንዘ አሐዱ ሠለስቱ ወእንዘ ሠለስቱ አሐዱ ሥላሴ በተዋህዶ ተዋህዶ በሥላሴ ይሤለሱ በኣካላት ወይትወኃዱ በመለኮት”  ትርጉም “ሓደ ከለዉ ሠለስተ ሠለስተ ከለዉ ሓደ እዮም። ብኣካል ሠለስተ ብመለኮት ሓደ እዮም” ብምባል ገሊጽዎ ኣሎ።(ሃይማኖተ አበው ዘባስልዮስ 34፡2) ስለ’ዚ ሰለስተ ኣካላት ሓደ እግዚአብሔር ድኣ እምበር ሰለስተ ኣምላኽ ዝብል ኦርቶዶክሳዊ ትምህርቲ ኣይኮነን።

ኣብ ቤት መቕደሶም ውን ናይ ሠለስተ ኣምላኽ ተባሂሎም ዚፍለጡ  ስእሊ እዩ ዚርከብ። እዞም ሥእልታት እዚኣቶም በብናቶም ውን ቤት መቕደስ ይሥርሓሎም እዩ።

1ይ እንዳ ብጹዕ አምላኽ ተባሂሉ ዚጽዋዕ ቤት መቕደስ ይህነጽ እዚ ከኣ ናይ እግዚአብሔር ኣቦ ቤት መቕደስ ማለት እዩ።

2ይ እንዳ ጋብር ተባሂሉ ዚጽዋዕ ቤተ መቕደስ ይህነጽ እዚ ከኣ ንመንፈስ ቅዱስ እዮም ገብረ መንፈስ ቅዱስ ዚብል ስም ሂቦም ብስሙ ቤት መቕደስ ዚሃንጹ።

3ይ እንዳ መንኃኔ ዓለም ወይ እንዳ ኢየሱስ ተባሂሉ ዚጽዋዕ ቤት መቕደስ ይሃንጹ።
ነቲ ሓደ በዓለ እግዚአብሔር ኢሎም ከብዕልዎ ከለዉ፡ ነቲ ሓደ ድማ ብስም ጋብር የኽብርዎ፡ ነቲ ሓደ ውን ብስም መድኃኔ ዓለም የብዕልዎ”  

 ኣቶ ወልድኣብ እዚ ትምህርቲ ካብ’ቲ ሰባት ንምትላል ትጥቀመሉ ልሙድ ሓሶታት ዝመንጨወ እምበር ናይ ተዋህዶ ትምህርቲ ኣይኮነን። ኣቡነ ብጹዕ ኣምላኽ ጻድቕ ኣቦ ድኣ እምበር ኣምላኽ እዮም ዝበሎም የለን። ኣቡነ ገብረ መንፈስ ቅዱስ ውን ጻድቕ እምበር ኣምላኽ ዝበሎም የለን። በዚ ናይ ሓሶት ትምህርትኻ ሰባት ከም ዝኽዕቡኻን ብሓሶትካ ድማ ካባኻ ከም ዝርሕቁን ድኣ ትገብር ኣለኻ እምበር፡ በዚ ዘመን እዚ ነዚ ሓሶት እዚ ኣልዒልካ ዝኣምነካ ጥዑይ ኣእምሮ ዘለዎ ሰብ ብዘይምህላዉ ጽቡቕ እዩ።

 እቶም ብስንፍናና ነዚ ሓሶት እዚ ከም ሓቂ ጌርና ዝኣመንናዮ ግን ገድሊ ናይ’ዞም ክልተ ቅዱሳን ኣቦታት (ገድለ ብጹዕ ኣምላኽን ኣቡነ ገብረ መንፈስ ቅዱስን) ነንብብ እሞ እቲ ሓቂ ኣብኡ ኪጸንሓና እዩ። ናይ ኣቡነ ብጹዕ ኣምላኽ ኣብ ስንክሳር 9 ናይ ኣቡነ ገብረ መንፈስ ቅዱስ ድማ ስንክሳር 5 መጋቢት ኣንቢብኩም ሓቂ ፍለጥዎ። ኣብኡ ድማ ቅዱሳን ኣቦታትና ጸለዩልና ናብ ክርስቶስ ኣምላኽኩም ለምኑልና ዝብል እዩ ዘሎ እምበር ኣምላኽ ኢኹም ዝብል የለን። ስለ ቅድስናኦም ግን መጽሓፍ ቅዱስ “መዘከርታ ጻድቕ ንበረኸት እያ።ምሳ 10፡7)” ከም ዝብለና ካብ በረኸቶም ንምክፋል መዘከርታኦም ንገብር። ከም’ቲ ብነቢይ ኢሳይያስ ዝነገረና ድማ ብስሞም ቤተ ክርስቲያን ንሃንጽ (ኢሳ 56፡4) እምበር ኣምላኽና ሓደ እዩ ንሱ ስሙ ደጋጊምካ ብምጽዋዕ ዘይጽገብ ኢየሱስ ክርስቶስ ጥራይ እዩ።

ኣብ ዚሓለፈ እዋን ነቲ ናይ ተዋሕዶ መጻሕፍቲ የጽንዓሉ ኣብ ዚነበርኩ ጊዜ እቲ ሥላሴ ዚበሃል እግዚአብሔር ዘይኮነስ ካልእ ከም ዚኾነን ምድራዊ ታሪኽ ውን ከም ዘለዎ ካብ ሰብ ከም ዚተወልደን ኣብ ሳልሳይ መዓልቲ ልደቱ ድማ ንኣምላኽ ከም ዘመስገኖን፡ ኣብ ምድሪ ኪነብር ከሎ ውን 50 ኣናብስን 50 ነብርን ይሕልውዎ ከም ዚነበሩን እዚኣቶም ውን ሓመድ ኣሰር ናይ እግሩ ይምገቡ ከም ዚነበሩን ዚገልጽ መስሓቒ ዚኾነ ዛንታ ምስ ረኸብኩ ኣዝየ ተገረምኩ።

ኣየ ንስኻ ፊደላት ኣጽኒዕካ ዘይወዳእካስ መጻሕፍቲ ናይ ተዋህዶ ድማ ከተጽንዕ! ጸሎት ናይ ተዋህዶ ኢልካ ዘቕረብካዮም ቃላት ዘንበብን ዝሰምዐን ሰብ ይመስክር መቸም! ብዝኾነ ኣቐዲምካ ነብስኻ እንተተጽንዕ ብዙሕ ምተጠቐምካ። በል እዚ ጠቒስካዮ ዘለኻ ታሪኽ ኩሉ ንቑሕ ኦርቶዶክሳዊ ዝፈልጦ ታሪኽ ናይ ቅዱስ ኣቦና ኣቡነ ገብረ መንፈስ ቅዱስ (ጋብር) ታሪኽ (ገድሊ) ድኣ እምበር ከም’ዚ ንስኻ ትህውትቶ ዘለኻ ምስ ናይ ቅድስት ስላሴ ታሪኽ ዘተኣሳስር ዋላሓንቲ ነገር የብሉን። ገድሊ ቅዱሳንን ትምህርቲ ስላሴን ፈላሊኻ ዘይትፈልጥ ምስኪን ብምዃንካ ግን ተሕዝን፡ ደረጃ ፍልጠትካ ማዕረ ክንደይ ትሑት ምዃኑ ድማ ባዕልኻ ተገምጊምካ።

ኣብ መበል 16 ክፋል 2ይ ገጽ ድማ “እቶም ኣብ መንደቕ ዚተሳእሉ ስእሊ 3 ኣምላኽ ኪርእዮ እንከለኹ ልክዕ ሰብ ዚመስሉ ኮይኖም ኣብ ርእሶም ድማ ከም ጩራ ብርሃን ፀሓይ ዚመስል ሕንጣጥ ሕንጣጥ ዘለዎም ኣረግቶት ሰብኡት መሲሎም ተሳኢሎም ነበሩ። በሉ እስከ መልክዕ እግዚአብሔር ዶ ብመልክዕ ሰብ ኪግለጽ ይከኣል እዩ? ገጽ እግዚአብሔር ንመን ከም ዚመስል ከ ርእይዎ ዚመስል ሰብ ዶ ኣሎ እዩ? ከመይ ኢሎም ድኣ እቶም ደፋራት ሰኣልቲ ንክብሪ እቲ ዘይሓልፍ ኣምላኽ ናብ ምስሊ ሓላፊ ሰብ ለዊጦም ሰብ ኣምሲሎም ዚሰኣልዎ። ኣምላኽ ሓደ እዩ ሰለስተ ነናቱ ኣካላትን ነናቱ መልክዕን ሒዙ ዚግለጽ እንተኾይኑ ድኣ ከመይ ኢልና ኣምላኽ ሓደ እዩ ኪንብሎ ንኽእል? እቶም ስእሊ ደው ዚበሉ ሰለስተ ሰብኡት እዮም ዚመስሉ። ዘዳ 4፡15።ነቲ ብሓመድ ዚተዳለዉ ኣካላዊ ሰብነት ሰብ እግዚአብሔር ድማ  ካብ መንፈሱ መንፈስ ካብ ነፍሱ ከኣ ነፍሲ መቒሉ ህያው ከም ዚኸውን ገበሮ። ስለ’ዚ ሰብ ብምኽንያት እቲ ካብ ኣምላኽ ዚተቐበሎ መንፈስን ነፍስን ንኣምላኽ ኪመስል ከኣለ። መንፈስን ነፍስን ሰብ ንኣምላኽ ስለ ዚመስል  እቲ መንፈስ ናይ ሰብ ፍጡር ኣይኮነን፡ ካብ መጀመርያኡ ኣብ ኣምላኽ እዩ ኔሩ፡ ብድሕሪ’ዚ ናብቲ ብኣምላኽ ዚተዳለዉ ናይ ብኢድ ዝተሰርሐ ጭቃ ኣካላት ወዲ ሰብ ኣተወ። ኢየሱስ ክርስቶስ መንፈስ እዩ ምስሊ ኣካል ሰብ ውን ኣለዎ፡ እግዚአብሔር ኣቦን መንፈስ ቅዱስን ግና ነናቶም ኣካል ምስሊ ሰብ ዚመስል ምድራዊ ኣካል ኣይለበሱን። ስለ’ዚ ንሰብ ከም ዚመስሉ ጌርካ ኣካላዊ ሰብነት ሰብ መልክዕ ሂብካ ኪትሥእሎም ምፍታን ገበን እዩ። ብሕጊ ውን ዘሕትት እዩብምባል ንኽሕደትካን ሓሶትካን ኣጽኒዕካዮ ኣለኻ። እዚ ትምህርትኻ ኣብ ውሽጡ ብዙሕ ክሕደታት ዝሓዘ ስለ ዝኾነ ብውሕዱ ኣብ ክልተ ከፊለ ኪምልሰልካ ኪፍትን እየ።

1ይ ብዛዕባ ስእሊ ቅድስት ስላሴ

ነዚ ብሰፊሑ ኣብ’ቲ ብዛዕባ ቅድሳት ስእላት ዝብል ኣርእስቲ ኪምልሶ እየ። ኣብ’ዚ ግን ሓደ ሓደ ነጥብታት ጥራይ ዘርዚረ ሓቀኛ ትርጉም ብዛዕባ  ስእሊ ናይ ቅድስት ስላሴ ድማ ብሰፊሑ ከብርሃልካ እየ። ብመጀመርያ ስእሊ ኪሰኣል ከሎ ሓቀኛ መልክዕ ናይ’ቲ ዋና ስእሊ ተባሂሉ ኣይኮነን ዝሰኣል። ናይ ቅድሥት ሥላሴ ስእሊ ውን እዚ ሓቀኛ ምስሎም ኢልና ኣይኮንናን ንስእሎ። ናይ ዘመንና ብስም ኦርቶዶክስ ዝሽቅጡ ተሃድሶ ውን ነዚ ዝምቡዕ ትርጉም ናይ መናፍቓን ብምሓዝ ስእሊ ስላሴ ናብ ምቕዳድ ከም ዝበጽሑ ናይ ቀረባ ትዕዝብትና እዩ ዘቕርብዎ ምኽንያት ውን ተመሳሳሊ እዩ። ንእግዚአብሔር መን ርእይዎ? ዝብል። ንመላእኽቲ ኸ መን ርእዩ ዝሰኣለልኩም ኢኹም ትጥቀምሉ? እዚ ሕቶ’ዚ ናባኹም ገዲፈዮ ኣለኹ? ብተወሳኺ ንክብሪ እቲ ዘይሓልፍ ኣምላኽ ናብ ምስሊ ሓላፊ ሰብ ለዊጦም ሰብ ኣምሲሎም ዚሰኣልዎ” ዝበልካዮ ድማ ነቶም ጣኦት ዘምለኹ ሰባት፡ ነቶም ንእንስሳ ከም ኣምላኽ ዘምልኽዎ እሞ ናቱ ምስሊ ጌሮም ድማ ዝሰግድሉ ሰባት ዝተነግረ እምበር ነቶም ቅዱሳን ኣሳእል ስኢሎም ዝግብኦም ክብሪ ዝህብዎም ዝተነግረ ኣይኮነን። ብዛዕባ ናይ ቅድሥት ሥላሴ ስእልን ምስጢራዊ ትርጉሙን ድማ ነዚ ዝስዕብ ይመስል፥

 ስእሊ ቅድሥት ሥላሴ

ቅድሥት ሥላሴ ኪሣኣሉ እንከለዉ ብስም ብግብሪ ብኣካል ሠለስተ ከም ዝኾኑ፡ ብኣገዛዝኣ ብሥልጣን.. ድማ ሓደ ከም ዚኾኑ ኪገልጽ ኣለዎ። ሓድነቶም ንምምልካት ኣብ ልዕሊ ኪሩቤል ተቐሚጦም፡ ብዘይ ቅደም ተኸተል ማለት ላዕልን ታሕትን ወይ ቅድሚትን ድሕሪትን ጌርካ ዘይኮነስ፡ ሓደ ዓይነት ኣረኣእያን ኣቀማምጣን ተቐሚጦም፡ ክዳውንቶም ወይ ቀሚሶም ሓደ ዓይነት ጌርካ ከይተነጻጸለ ብሓደ ዓይነት ሕብሪ ይሰኣል። መንበር ናይ ሥልጣን ናይ ኣገዛዝኣ ናይ ንግሥነት ምሳሌ ኮይኑ፡ ኣብ ሓደ መንበር (ዙፋን) ምቕማጦም ብሥልጣን ብኣገዛዝኣ ሓደ ምዃኖም የመልክት። ኮፍ ኢሎም ምስኣሎም ድማ እግዚአብሔር ኣብ ኵሉ ቦታ ዘሎ ኣብ ኵሉ ቦታ ዚነገሠ (ንጉሠ ነገሥት እግዚአ አጋእዝት) ምዃኑ ንምቅላጽ እዩ። ብዘይ ቅደም ተኸተል ምስኣሎም ድማ ብቕድምና ሓደ ከም ዚኾኑ ንምግላጽ እዩ።

 ሠለስትነቶም ንምግላጽ ብጸጋማይ ኢዶም ዓለም ሒዞም ብየማናይ ኢዶም ድማ እናባረኹ (ኣመልካቲቶ ኣጻብዕቲ ንላዕሊ ትኽ ኢላ፡ ካብ ማእከለይቲ ኣጻብዕቲ ኪሳብ ሕንቅልሕንቅሊት ኣጻብዕቲ ዘለዋ ሠለስተ ኣጻብዕቲ ድማ ተዓጺፈን) ናይ ሠለስቲኦም ገጽ ናብ ሓደ ወገን ዝርኢ ኮይኑ፡ ኣካላዊ ገጾም ውን ማዕረ፡ ክዳውንቶም ድማ ናይ ውሽጥን ናይ ደገን መጎናጸፍያኦም ብቐይሕ ይሣኣል። ኪሣኣሉ ከለዉ ድማ ብኣምሳለ ኣረጋዊ (ብግእዝ ብሉየ መዋእል) ኪኸውን ኣለዎ። እዚ ድማ ዘለዓለማውነቶም ኣብ ኵሉ ቦታ ምህላዎም ትዕግስቶም ፈራድነቶም ኣስተውዓልነቶም ንምግላጽ እዩ። ናይ ምድሪ ነገሥታት ሓለፍቲ እዮም ንሱ ግን ዚተፈለየ ዘይሓልፍ መጀመርያኡን መወዳእታኡን ዘይፍለጥ ምዃኑ ንምግላጽ ብኣምሳለ ኣረጋዊ ይሠኣል። ነቢይ ዳንኤል “ኣነ ዝፋናት ክሳዕ ዚንበሮ እጥምት ነበርኩ፣ ሓደ ጥንታዊ ዝመዓልቱ ድማ ተቐመጠ። ክዳውንቱ ጻዕዳ ከም በረድ፣ ጸጕሪ ርእሱ ኸኣ ከም ጽሩይ ጸምሪ እዩ። ዝፋን ሃልሃልታ ሓዊ፣ መንኰራዅሩ ድማ ጕሁር ሓዊ እዩ” ብምባል ዚተዛረበሉ ነዚ እዩ። (ዳን 7፡9)
ካብ’ዚ ብተወሳኺ ኣብ ዙርያ ዙፋኖም ብኣርባዕተ ማእዝናት ሽዱሽተ ክንፊ ዘለዎም ኣርባዕተ እንስሳታት ገጸ ኣንበሳን ገጸ ላሕምን ገጸ ሰብእን ገጸ ንስርን ብክልተ ኣኽናፎም ኣእዳዎም ሸፊኖም ብኽልተ ኣኽናፎም ኣእጋሮም ሸፊኖም ክልተ ኣኽናፎም ድማ ንየማንን ጸጋምን ዘርጊሖም ይሰኣሉ። 24 ካህናት ድማ ልብሰ ተክህኖ ለቢሶም ኣብ ኣእዳዎም ዕጣን ዚመልአ ናይ ወርቂ መዕጠንቲ ሒዞም እናዓጠኑ፡ ወይ ድማ ኣኽሊሎም ካብ ርእሶም ኣውሪዶም ኣብ ቅድሚ እቲ ዙፋን እናሰገዱ ኪሰኣሉ ይግባእ።(ኢሳ 6፡1 ራእ 4፡8) (ኦርቶዶክሳዊ ቅዱሳን ሥእላት ብሃይለ ማርያም ሽመለስ)


Friday 24 June 2016

ትርጓሜ ራእይ ዮሐንስ ምዕራፍ 14


ራእይ ዮሓንስ ናይ መወዳእታ ዓለም መበል 18 ክፋል 666 መን እዩ?



ኣቡሊድስ ዘሮም “ካብ ምድሪ ዝወጸ ኣራዊት ዝተባህለ ናይ ሓሳዊ መሲሕ መንግሥቲ እዩ። ክልተ ኣቕርንቲ ዝተባህሉ ንሱን ብድሕሪኡ ዝመጽእ ሓሳዊ ነቢይን እዮም። ንሱ ብኃይሊ ክሰርሕ እዩ፡ ጽኑዕ ምዃኑ ድማ ባዕሉ ንዝሠርሖም ሕግታት ኣብ ምፍጻም ክፍለጥ እዩ። ናይ’ቲ ኣራዊት ምስሊ ዘየምልኹ ኵላቶም ብሞት ክቐጽዕ እዩ። ንነብሱ ብውዳሴ ከንቱ መሊኡ ኣብ ልዕሊ ደቂ እግዚአብሔር ክለዓል እዩ። ንሳቶም ንዕኡ ክብሪ ስለ ዘይሃቡ ክቐትሎምን ካብ’ዚ ዓለም ኣውጺኡ ከሳድዶምን እዩ። ኣብ ኵሉ ቦታ ተቖጻጸርቲ መዲቡ ንዕኡ ዘይሠውኡ ቅዱሳን ከይገዝኡን ከይሸጡን ክቆጻጸር እዩ። እቲ ኣብ የማናይ ኢዶም ዝግበር ምልክት ዝተባህለ ትርጉሙ እዚ እዩ። ኣብ ግንባሮም ዝተባህለ ኵሎም ናይ እሳት ኣኽሊል እምበር ናይ ሕይወት ኣኽሊል ከም ዘይደፍኡ ዘመልክት እዩ” ይብል።

መምህር ስቡሕ ግን ካብ ምድሪ ዝወጸ ኣራዊት  ሓሳዊ ነቢይ እዩ” ይብሉ። ንሱ ብኣምሳል እቲ ሓቀኛ ኤልያስ ዝመጽእ ሓሳዊ ኤልያስ እዩ።

ክልተ ኣቕርንቲ “ንኤልያስ ኤልሳዕን ኣብድዩን ዝተባህሉ ደቀ መዛሙርቲ ከም ዝነበርዎ፡ ነዚ ድማ ብክልተ ኣቕርንቲ ዝተመሰሉ 2 ሓሳውያን ደቀ መዛሙርቲ ኣለውዎ።

ኣቕርንቱ ናይ በጊዕ ኣቕርንቲ ይመስሉ፡ ሓሳዊ መሲሕ ብኹሉ መንገዲ ንኢየሱስ ክርስቶስ ንምምሳልን ሰባት ንምግጋይን እዩ ዝጽዕር። ጐይታና ኣማናዊ በጊዕ ተባሂሉ እዩ ንሱ ውን ንርእሱ በጊዕ  ይመስል ተባህለ።

ሄሬኔዎስ “ማንም ሰብ ሓሳዊ መሲሕ ነዞም ምልክታት ብመለኮታዊ ሥልጣን ዝገብሮም ኣይምሰሎ። እንተኾነ ግን ብምትሃት እዩ ዝገብሮም። ሰይጣንን ዝወደቑ መላእኽትን ክሕግዝዎ እዮም። ብናቶም ኃይሊ ድማ ዓበይቲ ተኣምራት ክገብር እዩ። ነቶም ኣብ ምድሪ ዝነብሩ ኵሎም ድማ ከስሕቶም እዩ” ይብለና።

ቪክቶርያነስ ብዛዕባ ኣደነቕቲ ምልክታት ናይቲ ኣራዊት ኪገልጽ ከሎ፥ “ ኣስማተኛታት(ጠንቆልቲ) ውን ብሓገዝ ናይቶም ዝወደቑ መላእኽቲ ከምዞም ነገራት እዚኣቶም ይገብሩ እዮም። ሓሳዊ ነቢይ ነቲ ዘፍርሕ ምስሊ ናይ ሓሳዊ መሲሕ ኣብ ኢየሩሳሌም ቤተ መቕደስ ክገብሮ እዩ፡ እዞም ዝወደቑ መላእኽቲ ድማ ኣብኡ ኣትዮም ድንቅታት ክገብሩሉ እዮም። ኣብ ውሽጢ እቲ ምስሊ ኮይኖም ድማ ድምጽታት ከስምዕሉ እዮም። ካብዚ ንላዕሊ ውን ደቁ ንዝኾኑ ኵላቶም ናይ ስሙ ቁጽሪ ዘለዎ ምልክት ኣብ ግምባሮምን ኣብ የማናይ ኢዶምን ክገብሩ ከም ዘለዎም ንኣገልገልቱ ክነግር እዩ። ነቢይ ዳንኤል ንእግዚአብሔር ዘለዎ ንዕቀትን ምስ እግዚአብሔር ንምቅንቓን ዝገብሮ ኵሉን ኣቐዲሙ ነጊርና እዩ። ብዛዕብኡ መቕደሱ ኣብ ሰማርያ ከም ዝሃንጽ፡ ምሰሉ ድማ ነቡከደነጾር ከም ዝገበሮ ኣብ ኢየሩሳሌም ከም ዘቕውም ነጊርና እዩ። ብዛዕባ’ዚ ኣሰቃቒ ጥፍኣት ብዝምልከት ጐይታና “እቲ ብነቢይ ዳንኤል ዝተነግረ እቲ ናይ ጥፍኣት ርኽሰት ኣብ’ቲ ቅዱስ ስፍራ ቆይሙ ምስ ረአኣኹም እቲ ዘንብብ የስተውዕል(ዳን 9፡27) ኢሉ ነጊርና እዩ። ንሱ ወዲ ጥፍኣት እዩ ምኽንያቱ ኣብ ክንዲ እቲ ሓቀኛ ኣምላክኽ ጣኦት ከም ዝምለኽ ብምግባር ናይ እግዚአብሔር ቊጥዓ ከለዓዕል እዩ። ከም’ኡ ውን ናይ ኑፋቔ መዓት ናብ ቤተ ክርስቲያን ከእቱ እዩ። ብዙሓት ከስሕት ካብ’ቲ ዘደናግር ምትሃታትን ምፍርራሕን ዝተላዕለ ድማ ክታለሉን ንድሕነቶም ድማ ክገድፍዋ እዮም።” ይብል።

ንሕና ክርስቲያን ብደም ክርስቶስ ብማኅተም መንፈስ ቅዱስ ዝተሓተምና ኢና፡ ሓሳዊ መሲሕ ድማ ናይ ባዕሉ ማኅተም ኣዳልዩ ንሰዓብቱ ክኃትም እዩ። ንሕና ግን ኣቐዲም ስለ ዝተሓተምና ኣይንቕበሎን ኢና።

 ኣባ ኤፍሬም ሶርያዊ “ንሱ ኣብ ግምባሮምን ኣብ የማናይ ኢዶምን ምልክቱ ከምዝገብሩ ገበረ፡ ምኽንያቱ ብየማናይ ኢዶም ብኣጻብዕቶም ኣብ ግምባሮም ናይ መስቀል ምልክት ንኸየማዕትቡ እዩ። በዚ ድማ ናቱ ክፉእ መንፈስ ምሉእ ብምሉእ ስዒሩ ክቆጻጸሮም እዩ።” ኢልና ኣሎ።

666 መን እዩ?

ነዚ ትርጉም እዚ ብዝግባእ ዘይተረድኡ ሰባት ነዚ ቁጽሪ እዚ ናብ ፊደላት ብምቕያር “እዚ ናይ መሓመድ ቁጽሪ እዩ። ስለ’ዚ እቲ ዝመጽእ ሓሳዊ ነቢይ መሓመድ እዩ” ክብሉ ይስምዑ እዮም። እዚ ግን ብመሰረቱ ግጉይን ንናይ መጽሓፍ ቅዱስ ቃል ዝቃወምን ትምህርቲ ስለ ዝኾነ ካብ’ዚ ጌጋ ትምህርቲ እዚ ኪንሕሎ ይግብኣና። ምናልባት መሓመድን ሓሳዊ መሲሕን ዘመሳስሎም ብዙሕ ነገር ከም ዘሎ ግሉጽ እኳ እንተኾነ፡ መሓመድ ጥራይ ዘይኮነ ቅድሚ ሕጂ ዝነበሩ ናይ ኣህዛብ ነገስታት ይኹኑ፡ ሕጂ ዘለዉ ነገስታት ንሓሳዊ መሲሕ ዝመሳሰል ተግባር ዘለዎም ኣለዉ። ስል’ዚ እዚ ኣብ መወዳእታ ዓለም ዝመጽእ ጸረ ክርስቶስ “መሓመድ እዩ” ምባል መጽሓፍ ቅዱስ ብዝግባእ ካብ ዘይምፍላጥ ዝመንጨወ ስለ ዝኾነ ክንጥንቀቐሉ ይግባእ።

 ምኽንያቱ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እቲ ዝመጽእ ጸረ ክርስቶስ ኪነግረና ከሎ “ብኣርበዓን ክልተን ኣዋርሕ ግብሩ ኪገብር ስልጣን ተዋህቦ (ራእ 11፡1-3 13፡3-5)” ብምባል ሓሳዊ መሲሕ ን42 ኣዋርሕ ዝኣክል ብሓይሊ ምስ ነገስ፡ እቶም ክልተ ነብያት ኤልያስን ሄኖክን ኪመጽኡ እዮም። ንዕኦም ውን ቀቲሉ ሬሳኦም ንሰለስተ መዓልቲ ክድርብዮ እዩ። ብድሕሪኡ ብቐጥታ ምውዳቕ መንግስቱን ሕልፈት ዓለምን ምጽኣት ክርስቶስን ብሓደ ከም ዝኸውን እዩ ዝነግረና “ (ራእ 11)

በዚ መሰረት እቲ ኪመጽእ እዩ ዝተባህለ ጸረ ክርስቶስ መሓመድ ኔሩ እንተ ዝኸውን መሓመድ ኣብ ዝሞተሉ 632 ዓ/ም መወዳእታ ዓለም ኪኸውን ኔርዎ ማለት እዩ። ሓሳዊ መሲሕ ምስ መጸ ን3 ዓመትን 6 ወርሕን እዩ ዝነግስ፡ ድሕሪ ሞት መሓመድ ግን ልዕሊ 1384 ዓመታት ሓሊፉ ኣሎ። ስለ’ዚ ብውሑዱ በዚ መለክዒ እዚ ጥራይ እኳ “666 ሓሳዊ መሲሕ መሓመድ እዩ ምባል” ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቅነት ዘጥፍእ ስለ ዝኾነ ካብ’ዚ ግጉይ ዝኾነ ትምህርቲ ክንሕሎ ይግብኣና።

ኣብ ጥንቲ ዘመን ፊደላት ናይ ባዕሎም ቊጽሪ ኔርዎም። ካብዚ ዝተላዕለ ቃላትን ኣስማትን ዝሓዙ ናይ ፊደል ቊጽሪ ተደሚሩ ብዝህቦ ጠቕላላ መጠን ናይ ምውካል ባህሊ ነበረ። እዚ ድማ ጋማትርያ ይበሃል።  ንኣብነት ብቋንቋ ግሪኽ ኢየሱስ ዝብል ስም ቊጽሩ 888 እዩ ኔሩ።

ሐዋርያዊ ኣቦ ቅዱስ ሄሬኔዎስ ኣብ ካልኣይ ክፍለ ዘመን ኣብ ዝጸሓፎ “መድፍነ መናፍቃን” ዝብል መጽሓፉ “ቊጽሩ 666 እዩ፡ እዚ ድማ ኣብ ውሽጢ 6000 ዓመታት ዝትንሥኡ ኵሎም ኑፋቔታት ዘጣቓልል እዩ።” ኢሉ ኣሎ። “ብርግጽ ውን ስሙ 666 ቊጽሪ ሒዙ ኣሎ። ካብ ውድቀት ናይቶም ርኹሳን መላእኽቲ ጀሚሩ ዘሎ ክፍኣትን ስሕተትን ሒዙ ኣሎ። ማይ ኣይሂ ዝመጸ ኖኅ 600 ዓመታት ምስ መልአ እዩ፡ እዚ ድማ ኣብ 6000 ዓመታት ዝተኣከበ ጥፍኣት ዝግለጸሉ ናይ’ዚ ሰብ ናይ ስሙ ቊጽሪ መርኣዪ እዩ። እዚ ቊጽሪ እዚ ኣብ ዝተረጋገጹ ጥንታውያን ናይ ራእይ ዮሐንስ ቅዳሓት ይርከብ። ቅዱስ ዮሐንስ ብኣካል ዝረኸብዎ ሰባት ኵላቶም ኣረጋጊጾም እዮም። ቊጽሪ ስም ናይቲ ኣራዊት ብናይ ግሪኽ ፊደላት ምስ እንርእዮ 666 እዩ ዝኸውን፡” ይብል። ሄሬኔዎስ እቲ ቊጽሪ 666 እዩ ኢሉ ዝተኸራኸረሉ ምኽንያት ኣብ ሓደ ሓደ ጥንታውያን ቅዳሓት እቲ ቊጽሪ 611 ዝብል ስለ ዘሎ እዩ። ንሱ ድማ እዚ ፍልልይ እቶም ዝግልብጡ ዝፈጠርዎ ፍልልይ ምዃኑ የረጋግጽ።

ሄሬኔዎስ ዝተፈላለዩ ኣስማት በቶም ንፊደላት ዝውክሉ ቊጽርታት ብምድማር 666 ክመጽእ ከም ዝኽእል ብምግላጽ በዚ መልክዕ ከይንጋገ ይመክር። “እንተኾነ ግን ትርጉም ናይ ስሙ ብግልጺ ክንገር ዘድሊ እንተ ዝኸውን ነዚ ራእይ ዝረኣዮ ሐዋርያ ባዕሉ ምገለጾ ኔሩ” ይብል

ሄሬኔዎስ ን666 ክትርጉሞ ከሎ
600= ኖኅ 600 ዓመት ምስ መልአ ዓለም ብኃጢኣት ስለ ዝመልአት ብማይ ኣይሂ ጠፍአት።(ዘፍ 6)
60= ናቡከደነጾር ዘቖሞ ምስሊ 60 እመት ዝቚመቱ (ትርጓሜ ትን. ዳን.3፡1)
6=6 እመት ደረቱ (ስፍሓቱ) በዚ ምኽንያት 3 መንእሰያት ናብ እሳት ሓዊ ተደርበዩ።


“666 ናይ ወዲ ሰብ ኃጢኣት ዝበዝሓሉ ናይ ሓሳዊ መሲሕ ምስሊ ኣብ ቦታ ናይ እግዚአብሔር ተተኪኡ ዝምለኸሉ፡ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ናይ መከራ ሓዊ ትኣትወሉ እዩ። ሠለስተ መንእሰያት ናብ ሓዊ እኳ እንተተደርበዩ እግዚአብሔር መልኣኹ ልኢኹ እቲ ሓዊ ዋላ ሓንቲ ከይጐድኦም ከም ዝዝምሩ ጌርዎም እዩ። ቤተ ክርስቲያን ኣብ ኣምልኾኣ ንኽትጸንዕ ብመላእኽቲ ክራድኣ እዩ” ይብል። ይቕጽል

Wednesday 22 June 2016

ብዛዕባ ምስልን ስእልን ዝተላዕለ ሕቶን መልሱን 2ይ ክፋል


ስርዓተ ቤተ ክርስቲያን 3ይ ክፋል




መልሲ ንልቡሳነ ስጋ ኣጋንንንት መበል 21 ክፋል

መደምደምታ

ምዕራፍ 3 ዚተነዝሐ ሓሶታትን መልስታቱን ዝብል ኣርእስቲ ኣብ’ዚ ወዲአ ኣለኹ። ነዚ ኣቐዲመ ዘቕረብኩዎ ድማ ነቲ ዝመጽእ ትምህርትኻ ካብ ከመይ ዝበለ መንፈስ ከም ዝወጸ ብቐሊሉ ንምርዳእ እዩ።

ምኽንያቱ ብዘረባኻ ኣምላኽ ልኢኽኒ ኢኻ ትብል መልእኽትኻ ግን ናይ ሰይጣን እዩ። እስኪ ቁሩብ ሕስብ ኣብሎ ክንድዚ ዝኣክል ሓሶት ሒዝካስ ኣምላኽ ልኢኹኒ ኸ ይበሃል ድዩ። መቸም ጥዑይ ኣእምሮ ዘለዎ ሰብ ይፍረድ! ኣምላኽ’ሲ ከም’ዚ ዝስዕብ እዩ ዝበለ “ሽዑ እግዚኣብሄር፡ እቶም ነብያትሲ ብስመይ ሓሶት ይንበዩ ኣለው። ራእይ ሓሶት ጥንቈላን ከንቱነትን ናይ ልቦም ጥበራን ደኣ እዮም ዚንበዩልኩም ዘለው እምበር፡ ኣነስ ኣይለኣኽክዎምን፡ ኣይኣዘዝክዎምን፡ ኣይተዛረብክዎምን ድማ፡ በለኒ (ኤር.14:14 )።”

 ኣቦና እዮብ ውን። ንስኻትኩም ግና ሓሶት እትኣልሙ ሰባት ኢኹም፡ ኲላትኩም ዘይትጠቕሙ ሓኪማት ኢኹም(እዮ.13:4 ) ስለ ዝብል ንስኻ ሓደ ካብቶም ኪመጹ እዮም ዝተባህሉ ሓሰውቲ ነብያት ድኣ እምበር ብእግዚአብሔር ዝተለኣኽካ ስለ ዘይኮንካ "መኔ ቴቄል ኡፋርሲን" ኢልናካ ሓሊፍና ኣለና( ዳን 5፡25-28)።

እዚ ዝስዕብ ናይ ጎይታና ቃል ድማ ትምህርትኻ ካብ መን ምዃኑ ጽቡቕ ጌሩ ከብርሃልካ እዩ። ከም’ዚ ብምባልንስኻትኩም ካብቲ ኣቦኹም ድያብሎስ ኢኹም፡ እታ ትምኒት ኣቦኹም ክትገብሩውን ትደልዩ አሎኹም። ንሱ ኻብ መጀመርያ ቐታል ነፍሲ እዩ፡ ሓቂ ኣብኡ ስለ ዜልቦውን ኣብ ሓቂ ኣይጸንዔን። ሐሶት ኪዛረብ ከሎ፡ ካብ ርእሱ እዩ ዚዛረብ። ሓሳዊ እዩ እሞ፡ ሓሶትውን ኣቦኣ እዩ”። ዮሃ.8:44 

ኣታ ሓሳዊ

ኣታ ሓሳዊ፥ ነቲ እግዚእብሔርኣብ ብጻይካ ሓሶት ኣይትመስክር (ዘጸ 20፡16)። ዝበሎ ቃል ኣፍሪስካዮ ኢኻ እሞ ወይልኻ!

ኣታ ሓሳዊ፥ ነቲ እግዚእብሔርወረ ሓሶት ኣይተልዕል። ምስክር ሓሶት ክትከውን ኢልካ፡ ኢድካ ምስ ዓማጺ ኣይተልዕል (ዘጸ 23፡1)። ኢሉ ዝኣዘዞ ቃል ዕሽሽ ስለ ዝበልካ ወይልኻ!

 ኣታ ሓሳዊ፥  ነቲ እግዚእብሔርካብ ዘረባ ሓሶት ርሐቕ (ዘጸ.23:7)”። ዝበሎ ቃሉ ኣቃሊላ ኢኻ’ሞ ወይልኻ!

ኣታ ሓሳዊ፥  እቲ ነቢይ ዳዊት “ሓሶት ንዚዛረቡ ተጥፍኦም” ዚበሎ ቃል ኪበጽሓካ እዩ’ሞ ወይልኻ!(መዝ.5:6 )


ኣታ ሓሳዊ ምስክር፥  እግዚእበሔር ኣምላኽናሓሳዊ ምስክር ከይተቐጽዔ ኣይተርፍን፡ ሓሶት ዜውስእ ከኣ ይጠፍእ” ይብል ኣሎ’ሞ ወይልኻ! ምሳ.19:9 

 ኣታ ብሓሶትካ ንሰባት ዘስሓትካ፥ እቲ እግዚአብሔር እንሆ፡ ነቶም ሕልሚ ሓሶት ዚንበዩ፡ ንህዝበይ ከኣ እናተዛረቡ ብሓሶቶምን ብድፍረቶምን ዜስሕቱ ነብያት እጥልቐሎም ኣሎኹ፡ ይብል እግዚኣብሄር። ኣነስ ኣይለኣኽክዎምን፡ ኣይኣዘዝክዎምን፡ ነዚ ህዝቢ እዚ ድማ ዚዐብሱሉ የብሎምን፡ ይብል እግዚኣብሄር” ዝበሎ ቃል ኣባኻ ተፈጺሙ እዩ’ሞ ወይልኻ! (ኤር.23:32 )

ኣቱም ንህዝቢ ብዘረባ ሓሶትን ብቁራስ እንጌራን ተታልሉ ሓሰውቲ ነብያት፥ እግዚአብሔር ብዛዕባኹም “ኣነ ኸይተዛረብኩስ ንስኻትኩም፣ እግዚኣብሄር ይብል ኣሎ፣ እትብሉ ዘሎኹም፣ ከንቱ ራእይዶ ዝርኤኹምዎ፣ ትንቢት ሓሶትዶኸ ኣይኰነን እተዛረብኩምዎ>>>>>>>>ንስኻትክን ነተን ዘይሞታ ነፍሳት ንሞት እናወፌኽን፣ ነተን ብህይወት ኪነብራ ዘይግባኤን ነፍስት ከኣ ህይወተን ኣድሐንክን፣ ነቲ ሓሶት ዚሰምዕ ህዝበይ እንሐሶኽናሉ፣ ምእንቲ ዕሙዅቲ ስገምን ቈረርስ እንጌራን ኣብ ህዝበይ ተርክሳኒ ኣሎኽን” ይብል ኣሎ’ሞ ወይልኹም። (ህዝ.13:19 )

ኣቱም ብዘረባ ሓሰውቲ ነብያት ዝሰኸርኩም

ኣቱም ነዚ ናይ ነብያት ሓሶት ቃል ትሰምዕዎን ሓቂ መሲልኩም ድማ ትኣምንዎን ሰባት፥ ነቲ “እቲ ንእግዚኣብሄር እምንቶኡ ዚገብሮ፣ ናብቶም ዕቡያትን ናብ ሓሶት ዜግልሱን ዘየብል ሰብ ብጹእ እዩ” ዝብልቃል ስለ ዘይስተውዓልኩምሉ ብጽእና ካባኹም ኪውሰድ እዩሞ ወይልኹም! መዝ.40:4)

ኣቱም ንትምህርቲ ሓሶት ዝቐረብኩማ፥ “መገዲ ሓሶት ኣርሕቐለይ” ዝብል ናይ ቅዱሳን ጸሎት ስለ ዝሓድግኩምን ካብ መገዲ ሓሶት ድማ ስለ ዘይረሓቕኩምን ወይልኹም።(መዝ.119:29 )

ኣቱም ትምህርቲ ሓሶት እተፍቅሩ፥ ነቲ “ንሓሶት እጸልኦን እፍንፍኖን ንሕግኻ ግና ኤፍቅሮ ኣሎኹ” ዝብል ናይ ቅዱሳን ቃል ስለ ዘይሰዓብኩምዎ፡ ቅድስና ናባኻትኩም ኣይትመጽእን እያ’ሞ ወይልኹም።(መዝ.119:163 )

ኣቱም ንምእማን ዝደንጎዩን ኣእምሮኹም ድማ ብሓሶት ዝደንዘዘን፥ “ስለዚ ኸኣ እቶም ብዓመጻ ባህ ዚብሎም እምበር፡ ንሓቂ ዘይኣምኑ ዅሎም ምእንቲ ኺፍረዱ፡ ኣምላኽ፡ ነቲ ሓሶት ክሳዕ ዚኣምኑ፡ ብርቱዕ ስሕተት ይሰደሎም” ዝብል በጺሕኩም ኣሎ እሞ ወይልኹም።2ተሰ.2:11–12 

ኣቱም መፍቀርያነ ሓሶት፥ እቲ “እቶም ኣኽላባትን ጠንቈልትን ኣመናዝራታትን ቀተልትን መምለኽቲ ጣኦትን ሓሶት ዚፈትዉዎን ዚገብርዎን ዘበሉ ዅሎም ግና ኣብ ወጻኢ እዮም” ዝብል ቃል በጺሕኩም ኣብ ወጻኢ ናብ ገሃንም ኪትወርዱ ኢኹም ሞ ወይልኹም! ራእ.22:15 

ኣቱም ምእንቲ እንዚአብሔር ጸርፍን ጸለመን እትዕገሱ

ኣቱም ሓሰውቲ ነብያት ዝጸረፍኹምን ዘጸለምኹምን፥ እቲ ጎይታና “እንተ ጸረፉኹምን እንተ ሰጐጉኹምን ምእንታይ ድማ ክፉእ ዘበለ ሓሶት እንተ ተዛረቡኩም፡ ብጹእን ኢኹም። ዝበሎ ቃል ኣባኹም ተፈጺሙ እዩ’ሞ ብጹአን ኢኹም! (ማቴ.5:11 )

ኣቱም ንቑሓት፥ ነቲ ጎይታና “ብዙሓት ነብያት ሓሶት ኪትንስኡ፡ ንብዙሓትውን ኬስሕቱ እዮም” ዝበሎ ቃል ዘኪርኩም ካብ ነብያት ሓሶት ስለ ዝተሓለኹም ብጹኣን ኢኹም! (ማቴ.24:11 )

ኣቱም ብሩሃነ ኣኢምሮ፥ ነቲ “ብዙሓት ሓሶት መስከሩ፡ ምስክሮም ግና ኣይተሳማምዔን” ዚብል ቃል ናይ ጎይታ ዘኪርኩም፡ ነዚ ናይ ሓሰውቲ ነብያት ትምህርቲ ድማ መርሚርኩም ዘይሰማማዕ ምስክር ምዃኑ ተረዲእኩም ስለ ዘይሰዓብኩሞ ብጹአን ኢኹም! ማር.14:56 

ኣቱም ውሉደ ጳውሎስ፥ ነቲ “ከምዚኣቶም ዝበሉ ሰባት ከኣ ሃዋርያት ሓሶት ዚጥብሩ ዓየይቲ፡ ርእሶም ንሃዋርያት ክርስቶስ ዜምስሉ እዮም” ዝብል ቃል ናይ ሐዋርያት ዘኪርኩም ካብዞም ሐዋርያት ሓሶት ስለ ዝተጠንቀቕኩም ብጹአን ኢኹም” (2ቈረ.11:13) 

እወ፥ ነቲ “ኣታ ጢሞቴዎስ፡ ካብቲ፡ ገሊኦም ተኣሚኖምዎ ኻብ እምነት ዘምቢሎም ዘለዉ፡ ሓሶት ፍልጠት ተብሂሉ ዘሎ ርኹስ ሃተውተውን ክትዕን ርሐቕ። ነቲ ሕድሪ እተዋህበካ ሐልዎ። ጸጋ ምሳኻ ይኹን። ኣሜን” ዝብል ናብ ጢሞቴዎስ ዝተላእከ ቃል ንዓኹም ውን ከም ዝኾነ ኣሚንኩም ስለ ዝተግበርኩምዎን ካብ ነብያት ሓሶት ድማ ስለ ዝተሓለኹምን ብጹአን ኢኹም! (1ጢሞ.6:20–21 )

ኣቱም ውሉደ ኬፋ፥ ነቲ “ግናኸ ነብያት ሓሶት ድማ ኣብ ማእከል እቲ ህዝቢ ተንሲኦም ነበሩ፡ ከምኡ ኸኣ ኣብ ማእከልኩም መምህራን ሓሶት ኪትንስኡ እዮም፡ ናብ ርእሶም ቅልጡፍ ጥፍኣት እናምጽኡ ድማ፡ ክሳዕ ነቲ እተሻየጦም ጐይታ እኳ ኪኽሕድዎ እዮም፡ ንሳቶም ናይ ጥፍኣት ምፍልላይ ኣስሊኾም ኬእትዉ እዮም” ዝበሎ ቃል ፈሊጥኩሞ ስለ ዝጸናሕኩም ካብ ነብያት ሓሶት ተሓሊኹም ኢኹም’ሞ ደስ ይበልኩም።2ጴጥ.2:1 

 
ኣቱም ውሉደ ዮሐንስ፥ ነቲ “ኣቱም ፍቁራተይ፡ ብዙሓት ነብያት ሓሶት ናብ ዓለም ወጺኦም አለዉ እሞ፡ እቶም መናፍስቲ ኻብ ኣምላኽ እንተ ዀይኖም መርምሩ እምበር፡ ንመንፈስ ዘበለ ዅሉ
ኣይትእመንዎ” ዝበሎ ቃል ስለ ዝፈጸምኩምዎ ካብ ነብያት ሓሶት ተሓሊኹም ኢኹም’ሞ ደስ ይበልኩም! 1ዮሃ.4:1