bieteelyas.blogspot.com ቤተ ኤልያስ

Friday 5 August 2016

ፍልሰታ ለማርያም 1ይ ክፋል

በስመአብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን
ሰንበት 1 ነሐሰ 2008 ጾመ ፍልሰታ ዚጅምረሉ ዕለት እዩ። ናይ በረኸት ጾም ይግበረልና እግዚአብሔር

ፍልሰታ ዚብል ቃል ናይ ግእዝ ቃል ኮይኑ ትርጉሙ ድማ ፈለሰት ማለት ገዓዘት ማለት እዩ። ኣዴና ቅድሰት ድንግል ማርያም ካብ’ዚ ምድራዊ ዓለም ኣብ 64 ዕድሜኣ ብ 21 ጥሪ 49 ዓ/ም ዓረፈት። ዚተቐብረትሉ ግን 14 ነሓሰ እዩ። ምስ ተቐበረት ኣብ ሣልሳይ መዓልቲ ማለት ብ ነሓሰ 16 ብኃይሊ እግዚአብሔር ካብ መቓብር ተንሢኣ ናብ ሰማይ ስለ ዚዓረገት ወይ ስለ ዚገዓዘት ድማ ነዚ ክቡር ዕለት እዚ “ፍልሰታ ለማርያም፡ ዕርገታ ለማርያም ማለት ቅድስት ድንግል ማርያም ካብ’ዚ ምድራዊ ዓለም ናብ’ቲ ሰማያውን ዘለዓለማውን ዓለም ዚገዓዘትሉ ዚዓረገትሉ እናበልና ብዓቢይ ድምቀት ነኽብሮ። እዚ ታሪኽ እዚ ኣብ ስንክሳር 16 ነሓሰ ብሰፊሑ ኪንረኽቦ ንኽእል ኢና። ነቶም መጽሓፈ ስንክሳር ብቐሊሉ ኪንረክብ ዘይንኽአል ግን። እግዚአብሔር ናይ ኣገልግሎት ዘመኖም ይባርኸሎም፡ እቶም ስለ ዕቤት ቤተ ክርስቲያን ብዘይ ዕረፍቲ ተጊሆም ዚጋደሉ ዘለዉ ቤት ትምህርቲ ሰንበት ማኅበረ ማርያም እስራኤል ዘዳለውዎ ብሎግ Mahberemariamisrael.com ኢልና ኣቲናና  ኣብ ናይ 2015 ወርሒ ነሐሰ ዘሎ ከፊትና ብቐሊሉ ነንብብ።

 ኣነ ድማ ኣብ’ዚ ጽሑፍ እዚ ካብ ብዛዕባ እቲ ታሪኽ ዘይኮንኩ፡ ናይ ቤተ ክርስቲያን ቀዳሞት ሊቃውንት ዚመሃርዎ ሓቀኛ ትርጓሜ መሠረት ብምግባር፡ ዝያዳ ነቶም ትርጉም ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ብዝግባእ ሰኣን ምፍላጦም ነታ ኣደ መድኃኒናን መድኃኒኦምን ኣደ ኵሉ ዓለም  ዚኾነት ቅድስት ኣደ ከቃልሉን ኪቃወሙን፡ ኣይተንሥአትን ኣይዓረገትን እናበሉ ዚጋገዩ መልሲ ንምሃብን ነቶም ንኣምን ውን ምሥጢሩ ደጋጊምና ብምምባብ በረኸት ንምቕባልን ኢለ፡ ቅዱስ ዳዊት ብዛዕባ ፍልሰታ ዚተነበዮ ቃል መበገሲ ብምግባር ብዛዕባ ዕርገት ናይ እመቤትና መጽሓፍ ቅዱሳዊ መብርሂ ሒዘ ቀሪበ ኣለኹ ንቐደም ንበል

ኦ ጐይታ ንስኻን ታቦት መቕደስካን ናብ ቦታ ዕረፍትኻ ተንሥእ!  (መዝ 132፡8)

እዚ ቃል እዚ ኣብ’ዚ መብዛሕትና ንጥቀመሉ መጽሓፍ ቅዱስ “ታቦት ሓይልኻ” ብምባል እዩ ተቐሚጡ ዘሎ። እቲ ትኽክል ቃል ግን “ታቦት መቕደስካ” ዚብል እዩ። ናይ ግእዝ መጽሓፍ ቅዱስ ውን “ተንሥእ እግዚኦ አንተ ወታቦተ መቅደስከ” እዩ ዝብል። እዚ ቃል እዚ ብንጹር ብዛዕባ “ትንሣኤ ክርስቶስን ወላዲቱ ቅድስት ድንግል ማርያምን” እዩ ዚነግር።


ንስኻ ዝበሎ ንጐይታ እዩ ናይ መቕደስካ ታቦት ዝበላ ድማ ድንግል ማርያም እያ። ምኽንያቱ መቕደስ ዝተባህለ ክርስቶስ ከም ዝኾነ ቅዱስ ዮሐንስ ኣብ ዮሐ 2፡21.. ተርጕምዎ ኣሎ፡ ናቱ ታቦት ወይ መሕደሪት ዝተባህለት ድማ ድንግል ማርያም እያ ዮሐ 1፡14። ምኽንያቱ ታቦት ማለት መሕደሪ ማለት ስለ ዚኮነ። ንሳ ናይ’ቲ መቕደስ ዚተባህለ ክርስቶስ መሕሪት ስለ ዚኾነት ድማ ታቦት መቕደስ ትበሃል። ነዚ ሒዙ ድማ እዩ ዳዊት “ንስኻን ታቦት መቕደስካን” ዚበለ።

ናብ ቦታ ዕረፍትኻ ዝበሎ ድማ መንግሥተ ሰማያት እዩ፡ ነዚ ክብል እዩ ቅዱስ ጳወሎስ ሐዋርያ ናብ ቦታ ዕረፍቲ ንምእታው ንቀዳደም ዝበለ (ዕብ 4፡11)። ቀጺሉ ውን ቅዱስ ዳዊት ኣብ መዝ 45፡9 እታ ንግሥቲ ብወርቂ ተሰሊማ ኣብ የማንካ ትቐውም ብምባል ንጽሕና ተሰሊማ ኣብ መንግሥተ ሰማያት ከም ዘላ የረድኣና እዩ። እዚ ትምህርቲ እዚ ኣብ መጀመርያ ናይ ሐዋርያት ጕዕዞ ብሰፊሑ ይመሃረሉ ስለ ዝነበረ ናይ ቤተ ክርስቲያን ኣቦታት ጥራይ ዘይኮኑ እቶም ጸረ ቤተ ክርስቲያን ዝነበሩ መናፍቓን ውን ይኣምንሉን ይምህርሉን ኔሮም እዮም። ንሕጂ እምበኣር እዛ ታቦት ተባሂላ ዘላ ድንግል ማርያም ምዃና ብመጽሓፍ ቅዱስ መሠረትን፡ ናይቶም ብድሕሪ ሐዋርያት ዚነበሩ ካብ 2ይ ክሳብ 5ይ ክፍለ ዘመን ዚነበሩ ሊቃውንት ዚመሃርዎ ትምህርትን ክንርኢ ኢና። ካብኡ ሓሊፍና ውን ኣብ መበል 16 ክፍለ ዘመን ዚነበሩ ናይ ፕሮቴስታንት እምነት መሥረትቲ ብዛዕባ ዕርገት ወላዲተ ኣምላክ ቅድስት ድንግል ማርያም ዚመሃርዎ ትምህርቲ ውን ክንርኢ ኢና።

ታቦት ናይ ድንግል ማርያም ምሳሌ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ
1.  ታቦት ማለት መሕደሪ እግዚአብሔር ማለት እዩ፡ ድንግል ማርያም ድማ መሕደሪት እግዚአብሔር እያ (ዮሐ 1፡14)
2.  ናይ ናይ ብሉይ ኪዳን ታቦት ንምሕላው ካህን ኣሮን ከም ዝተሓጽየ (ዘሁ 17፡1-ፍጻሜ) ነታ ኣማናዊት ታቦት ንድንግል ማርያም ንምሕላው ድማ ኣረጋዊ ጻድቕ ዮሴፍ ተሓጽየ (ማቴ 1፡18..)

ቅዱስ ኤፍሬም ነዚ ኣመልኪቱ ከም’ዚ ብምባል ገሊጽዎ ኣሎ “ሰብኣይ ርእሳ ስለ ዝኾነ ሰበይቲ ንሰብኣይ ተገልግል፡ ዮሴፍ ግን ኣምላኽ ኣብ ማሕና ስለ ዝተሽከመት  ንድንግል ማርያም ንኸገልግላ ተንሥአ፡ ካህን ዘካርያስ ውን ቅድስናኣ ተመልኪቱ ኣብ ቅድሚ ኣማናዊት ታቦት ኣገልገለ። ሙሴ እግዚአብሔር ብኣጻብዕቱ ዝጸሓፈሎም ጽላት ተሰከመ፡ ዮሴፍ ግን ፈጣሪ ኣብ ማሕጸና ዝተስከመት ንጽሕቲ ጽላት ሓዘ” (ቅዱስ ኤፍሬም ሶርያዊ 306-373 ዓ.ም)

3.  ታቦት ናብ ከተማ ዳዊት ትኣቱ ከላ ቅዱስ ዳዊት ናይ እግዚአብሔር ታቦት ናባይ ትመጽእ ከመይ ኮነለይ ከም ዝበለ (2ይ 6:9)፡ እታ ኣማናዊት ታቦት ድንግል ማርያም ናብ ኤልሳቤጥ ምስ ከደት ድማ ኤልሳቤጥ ብዓቢይ ድምጺ “ኣደ ጐይታይ ናባይ ክትመጽ እዚ ካበይ ኮነለይ” በለት (ሉቃ 1፡42-43)

ቅዱስ ኣምብሮስ ዘሚላን ውን ነዛ ታቦት እዚኣ ቅድስት ድንግል ማርያም ምሳሌ ከም ዚነበረት ከም’ዚ እናበለ የረድኣና “ነቢይ እግዚአብሔር ቅዱስ ዳዊት ኣብ ቅድሚ ታቦተ ጽዮን ዘለለ፡ እዛ ታቦት እዚኣ ቅድስት ድንግል ማርያም እንተዘይኮይና መን ክንብላ ንኽእል? ታቦተ ጽዮን ኣብ ውሽጣ ናይ ጽላት ኪዳን ሓዘት። ቅድስት ድንግል ማርያም ግን ነቲ ናይ’ቲ ኪዳን ሠራሒ ዝኾነ እግዚአብሔር ባዕሉ ኣብ ማህጸና ተሰከመቶ። ዝቐደመት ታቦት ኣብ ውሽጣ ሕገ ኦሪት ሓዘት፡ እታ ዳሕረወይቲ ግና ሕገ ወንጌል ተሰከመት፡ እታ ሓንቲ ናይ እግዚኣብሔር ድምጺ ሓዘት፡ እታ ካልኣይቲ ግና ንኣካላዊ ቃል ባዕሉ ተሸከመቶ።(ዮሐ 1፡14) እታ ቀዳመይቲ ታቦት ብውሽጥን ብደገን ብዝተለበጠ ታቦት ዘጌጸት ነበረት(ዘፀ 25፡11) ቅድስት ድንግል ማርያም ግን ብድንጋሌ ሥጋን ብድንጋሌ ነፍሥን ኣጌጸት። እታ ቀዳመይቲ ምድራዊ ብዝኾነ ወርቂ ዘብረቕረቐት ነበረት፡ ድንግል ማርያም ግን ብሰማያዊ ንጽሕና ዘጌጸት ነበረት። 


4.   ፍቓድ ኣምላኽ ኮይኑ ታቦት ኣምላኽ ናብ ቤት ዳዊት ምስ መጸት ድማ ኣብ ቅድሚ ታቦት ኣምላኽ ብደስታ ዘለለ ዘመረ ውን (2ይ ሳሙ 6:15-16) እታ ኣማናዊት ታቦት ድንግል ማርያም ናብ ኤልሳቤጥ ኣብ ዝኸደትሉ ውን ኣብ ማህጸን ኣዲኡ ዝነበረ ዮሐንስ ብደስታ ተሰራሰረ (ሉቃ 1፡44)

5.  ሜልኮል ኣብ ቅድሚ እታ ናይ ድንግል ማርያም ዝነበረት ታቦት ብምዝማሩ ተቓወመት ማሕፀና ድማ ተዓጽወት፡ ኵሎም ንድንግል ማርያም ዝዝመር ናይ ምስጋና መዝሙር ዝቃወሙ ከም ሜልኮል መንፈሳዊ ፍረ ዘይፈርዩ ናይ ጽድቂ ፍረ ዘይፈርዩ መኻናት ከም ዝኾኑ ድማ ኣነጸረት። ንኣማናዊት ታቦት ንድንግል ማርያ ፡ዘመስገነት ኤልሳቤጥ ግና ተባረኸት( ሉቃ 1፡41-48) ኵሎም ከም ቅዱስ ገብርኤልን ቅድስት ኤልሳቤጥን ንድንግል ማርያም ዘመስግኑ ዘበሉ በረኸት ከም ዚቕበሉ ድማ ብግልጺ ተረዳእና።

6.   ዖዛ ዝተባህለ ሰብ ተደፋፊሩ ነቲ ዘይግብኦ ታቦት ስለ ዝተንከፈ ተቐዝፈ (2ይ ሳሙ 6:7)፡ተውፋንያ ዝተባህለ ኣይሁዳዊ ንሬሳኣ ተደፋፊሩ ብምትንካፉ ውን ተቐዚፉ እዩ።
በዚ ኩሉ ኣብ ላዕሊ ዚረኣናዮ ድማ እታ ሙሴ ዚተቐበላ ታቦት ንሳ ናይ ድንግል ማርያም ምሳሌ ከም ዚነበረት ኪንርዳእ ንኽእል። ነዚ ብመንፈስ ቅዱስ ስለ ዚተረድአ ድማ እዩ ቅዱስ ዳዊት “ኦ ጐይታ ንስኻን ታቦት መቕደስካን ናብ ቦታ ዕረፍትኻ ተንሥእ” ብምባል ብዛዕባ ትንሣኤ ናይ ጐይታን ናይ ወላዲቱ ቅድስት ድንግል ማርያምን ዚተነበየ። …. ይቕጽል።


No comments:

Post a Comment