bieteelyas.blogspot.com ቤተ ኤልያስ

Monday 29 January 2018

በእንተ መዝሙር



ሕቶ መዝሙር ማለት እንታይ ማለት እዩ?
መልሲ መዝሙር ማለት ምምስጋን ምውዳስ ብዜማዊ መዝሙር ናብ እግዚአብሔር ናይ ልመና ጸሎትን መሥዋዕትን ምቕራብ ማለት እዩ።
ሕቶ መዝሙር መዓስ ተጀሚሩ?
መልሲ ቅዱስ ዳዊት “ሰብ ናይ መላእኽቲ እንጀራ በልዐ” ብምባል ከም ዘረድኣና፡ መዝሙር ንመጀመርታ ጊዜ ዝተጀመረ ኣብታ ናይ መጀመርታ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ሰማይ (ኣብ ዓለመ መላእኽቲ)  በታ ናይ መጀመርታ መዓልቲ ፍጥረት ብዕለተ ሰንበት መላእኽቲ ምስ ተፈጥሩ እዩ ኢዩ።(ኢሳ 6:1 ራእ 5:8 መዝ 102:20 መዝ 18፡25)። ዋላ እኳ ሰብን መላእኽትን ክልቲኣቶም ፍጡራት ንፈጣሪኦም ንምምስጋን ዝተፈጥሩ እንተኾኑ፡ መላእኽቲ ኣቐዲሞም ስለ ዝተፈጥሩ ግና ምምስጋን ዝጀመርዎ ንሳቶም እዩ። ቅዱስ ዳዊት “እንጀራ” ብምባል ዝጸውዖ ድማ ንዝማሬኦም (ንምስጋናኦም) እዩ።

ሕቶ መዝሙር ንምንታይ ይጠቕመና?
መልሲ
1. ሰብ ብተመስጦ ንእግዚአብሔር ንኸመስግና ይጠቅም(2ይ ሳሙ 6፡16)
2. ንመጸናንዒ ይጠቕመና (ኣብ ጊዜ መከራ ስደት እስሪ ቤትን ኣብ ጊዜ ኃዘንን ብመዝሙር ንጸናናዕ ግ፡ሐ 16፡19-26)
3. መዝሙር ኃይሊ ኣጋንንቲ ንምርሓቕ ይጠቕመና (ናይ ሳኦል ርኹስ መንፈስ ዳዊት በገና ክሃርመሉ ከሎ ይርሕቀሉ ነበረ 1ይሳሙ 16:23)
4. መዝሙር ናይ ሓጐስን ብሥራትን መግለጺ ይጠቕመና “ጐይታ ምስ ተወልደ ጓሶትን መላእኽትን ኃቢሮም ከም ዝዘመሩ” ቅዱስ ያዕቆብ ዝተሓጐሰ እንተሎ ይዘምር ኢሉና እዩ ያዕ 5:13) እስራኤላውያንውን ባሕሪ ኤርትራ ምስ ተሳገሩ ብሓጐስ ዘሚሮም እዮም (ዘጸ 15:1-15)
5. መዝሙር ንተግሣጽን ንትምህርትንውን ይጠቕመና እዩ ቆሎ 3:16 ኤፌ 5፡19

ሕቶ መዝሙር ክዝምር ዝግብኦ መን እዩ?
መልሲ መዝሙር ክዝምር ዝግብኦ ኵሉ ፍጥረት እዩ ቀዱስ ዳዊት “ትንፋስ ዘለዎ ፍጥረት ኵሉ ንእግዚብሔር የመስግና ዝበለ ድማ ነዚ እዩ(መዝ 150፡6)። ብፍላይ ሰብን መላእኽትን ድማ እቲ ቀንዲ ናይ ተፈጥሮኦም ዕላማ ንምምስጋን ስለ ዝኾነ፡ ብዘየቋርጽ መዝሙር ከመስግናዎ ይግባእ።(3ይ መቃ 4፡11) ስለ’ዚ መዝሙር ካህንን ምእመንን ዓብን ንእሽተይን ጓልን ወድን ከይበለ ኵሉ ብኅብረት ክዝምር ይግብኦ። እብ ራእይ ዮሓንስ ድማ “ኣቱም ንእግዚአብሔር እትፈርሕዎ ኵልኹም ባሮት ንኣምላኽ ዘምሩን ኣመስግኑን” ዝብል ቃል ከኣ ነዚ ዘረጋግጽ እዩ (ራእ 19:5)

ሕቶ ጓል ኣንስተይቲ ክትዝምርን ከበሮ ክትሃርምን ይግብኣ ዶ?

 ሓጺር መልሲ እወ ይግብኣ ብመጽሓፍ ቅዱስ ይኹን ብሥርዓተ ቤተ ክርስቲያን ንጓል ኣንስተይቲ ካብ ምዝማርን ከበሮ ካብ ምህራምን ዝኽልክላ ሕጊ ፈጺሙ የልቦን። ብኣንጻሩ እኳ ደኣ ማርያም ኃፍቲ ሙሴ እናዘመረት ከበሮ ክትሃርም ከላ ኢና ንርኢ(ዘጸ 15፡1-15) ቅዱስ ዳዊት ውን “ቅድም ዘመርቲ ደሓር ቃነይቲ ኣብ መንጎኦምውን ከበሮ ዝሃርማ ደናግል ነበራ”(መዝ 68:25) ይብል። ኣብ ታሪኽ ቤተ ክርስቲያንና ካብ ዝለዓሉ ዓበይቲ ሊቃውንት ሓደ ቅዱስ ኤፍሬም ሶርያዊ ኸኣ ብፍላይ መዝሙርን ዜማን እናዳለወ ንብዙኃት ደቂ ኣንስትዮ ይምህር ከም ዝነበረ ይንገር። ብመሠረት (መምርሒ ትምህርቲ ሰንበት ቤት ጽሕፈት መንበረ ፓትርያርክ ኣን 55፡5 ቁ6 ገጽ 154) ድማ “ነቲ ቅድሚ ሕጂ ዘይጸንሖን ዘይለመዶን ምእመን ጥበብን ትምህርትን ከምኡ ውን ትዕግስቲ ዘድልዮ ጉዳይ እኳ እንተኾነ ስለ ምውቃዕ (ምህራም) ከበሮ ዘይኮነስ መንፈሳዊ ትርጕሙ ተረዲአን ደቂ ኣንስትዮ ከበሮ ክወቕዓን ጸናጽል ኪጽንጽላን ኣይክልከላን እየን” ብምባል ጽቡቕ ገይሩ ኣቐሚጥዎ ኣሎ።

ሕቶ ናይ መዝሙር መሣርሒ እንታይ እንታይ እዮም?
ብመሠረት ቅዱስ መጽሓፍ ናይ መዝሙር መሣርሒታት ዝበሃሉ መለኸት፡ በገና፡ መሰንቆ፡ ከበሮ፡ ኣውታር፡ እምብልታ፡ ጸናጽልን እዮም።(መዝ 1503-6)  ናይ ቤተ ክርስቲያንና ቅዱስ ሲኖዶስ ዘውፅኦ ሥርዓት ምስ እንምልከት ድማ ነዚ ዝስዕብ ንረክብ

1. ኣብ ውሽጢ ቤተ ክርስቲያን  (ከበሮ ጸናጽል መቖምያ)
2. ኣብ ኣጸደ ቤተ ክርስቲያን ድሐሪ ዑደት ክብረ በዓላት ኣብ ዓውደ ምሕረት ዝቐርብን፡ በገና መሰንቆ መለኸት ሻምብቆ እንዚራ (ባህላዊ ክራር) እዮም።
3. ኣብ ዝሕተሙ መዛሙር ብዘይካ እዞም ዝተጠቕሱ ንዋያተ መዝሙር ካልእ ኪንጥቀም ኣይፍቀድን
4. ኵሎም ነቲ መዝሙር ዘሰንዩ ንዋያት ኣሰራርሓኦም ጥንታውነትን ባህልን ቤተ ክርስቲያን ዚሓለዉ ኪኸውን ይግባእ
5. ዘመናዊ መሣርሒ ሙዚቃ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ምጥቃም ኮነ፡ ብካልኦት መዝሙሮም ብዘመናዊ ሙዚቃ ኣሰንዮም ንዝዝምርዎ መዝሙር ብውልቃዊ ኮነ ብኃባር ምስማዕ ፈጺሙ ኣይፍቀድን (መምርሒ ትምህርቲ ሰንበት ቤት ጽሕፈት መንበረ ፓትርያርክ ኣን 55፡2 ገጽ 152)

ስክፍታ ኣብ ዝትርጐሙ መዝሙራት

 ርግጽ እዩ ቤተ ክርስቲያንና ብዝተፈላለየ ምኽንያታት ብቛንቋ ትግርኛ ዝተዘመሩ መዝሙራት ስለ ዘይነብራ፡ ደቃ ናብ ብዙኅ ሽግራት ተቓሊዖም እዮም። ንኣብነት ናብ ደርፊ ዘንቢሎም፡ ናይ ካቶሊክን ናይ ካልኦት መናፍቓንን መዝሙር ኬጽንዑ ተገዲዶም፡ ካብ ቋንቋ ኣምሓርኛ ናብ ትግርኛ ብምትርጓም ክዝምሩ ተገዲዶም እዮም። እዞም ኣብ ላዕሊ ዝጠቐስናዮም ሠለስተ ዓይነት ሽግራት ሓደ ብሓደ እንተ ርኢናዮም ነፍሲ ወከፎም ብዙኅ ንቤተ ክርስቲያን ዘዕኑ ትሕዝቶ ዘለዎም እዮም። 

ቤተ ክርስቲያንና ብቋንቋ ትግርኛ ዝተዳለዉ መዝሙራት ስለ ዘይነበርዋ፡ ናይ ኣምሓርኛ መዝሙራት ናብ ትግርኛ እናተርጎምካ ምጥቃም እቲ ዝቐለለ ስለ ዝኾነ ከም ጽቡቕ ኣማራጺ ተወሲዱ ንነዊኅ ዓመታት ክሥርሓሉ ጸኒሑን ኣሎን። እዚ ኣገባብ እዚ ኣብ ጊዜኡ ብዙኅ የዐዊትናን ጠቒምናን ክበሃል ዝከኣል እኳ እንተኾነ፡ ብኡ መንጽር ድማ ብዙኅ ኣሉታዊ ጎንታት ኂዝልና ከም ዝመጽአ ክዝንጋዕ የብሉን። ንኣብነት ቀጺሎም ዘልዉ ነጥብታት ንመልከት

ሓድነት ዝበታትኑ እዮም

  ቤተ ክርስቲያን ኵሎም ሥርዓታታ ምስ እንምልከት ብሓድነት ዝጠምሩ እዮም። ንኣብነት ኣብ ጊዜ ቅዳሴ ዝንበቡ ንባባት ንመልከት ናይ ነፍሲ ወከፍ ዕለት ሥሩዓት ስለ ዝኾኑ ኣብ ዓለም ምሉእ ዘላ ቤተ ክርስቲያን ብሓደ ዕለት ሓደ ዓይነት ንባባት እዮም ዝንበቡ። በዓላታ ውን ሥሩዓት እዮም። እዞም ካብ ኣምሓርኛ ዝትርጐሙ መዝሙራት ግና ሓደ ፍሉይ ተርጓሚ የብሎምን። ንምሳሌ ንሓንቲ መዝሙር ኣብ ኢትዮጵያ ኮይኖም ዝተርጐምዋን ኣብ ሱዳን ዝተርጐምዋን ኣብ ኤርትራ ዝተርጐምዋን ኣብ ይጓንዳ ኬንያ ሊብያ ዝተርጐምዋን ኣብ እስራኤል ዝተርጐምዋን ኣብ ኤውሮጳ ኣሜሪካ ካናዳ ወ. ዘ. ተ ዝተፈላለየ ግጥምን ዜማን ከም ዝህልዋ ይገብር። ካብኡ ኃሊፉ ኣብ ኤውሮጳ ኣብ ጥልያን ኣብ ሆላንድ ኣብ ጀርመን ኣብ ሽወደን ወ. ዘ. ተ ውን በበይኑ እዩ ዝትርጐም፡ ኣብ ሓንቲ ሃገር ንኣብነት ኣብ ሆላንድ እንተወሲድና ውን ኣብ ኣምስተርዳም ሮተርዳም ኣይንድሆቨን ላይደን ቲልብሩኽ ኣልክማር ሊዋርደን ዝቮለ ዩትረኽት ክሮኒንገን ወ. ዘ. ተ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ቤተ ክርስቲያን ዝተፈላለየ ግጥሚ ዘለዋ ሓንቲ መዝሙር ንኽትፍጠር ይገብር። ከም ኣብነት ነዝን ዝቕጽላ መዝሙራት ንመልከት

1. መድሃኔ ዓለም ኣድሒንና ብዘይ ሓልፍ ቃሉ
መድሃኔ ዓለም ኣድሒንና ብዘይ ሃስስ ቃሉ
መድሃኔ ዓለም ኣድሒንና ብዘይ ሕሶ ቃሉ
መድሃኔ ዓለም ኣድሒንና ብዘይ ዕጸፍ ቃሉ
መድሃኔ ዓለም ኣድሒድና ብዘይ ልወጥ ቃሉ

 እስኪ ካብ እዞም ካብ 5 ኣብያተ ክርስቲያን ኣብ ሓደ ክብረ ብዓል ተኣኪቦም ነዛ መዝሙር ክዝምርዋ ከለዉ ዝኽሰት ምብትታን በእምሮኹም ቅረጽዎ።


2. ክብረ ቅዱሳን                     ክብረ ቅዱሳን           
ኣብ እስራኤል                   ኣብ ሆላን
ክብረ ቅዱሳን ድንግል ኣዴና   ክብረ ቅዱሳን ስለ ዝኾንኪቅኔ ምስጋና ይግበኣኪ
ከነቕርበልኪ ቅኔ ምስጋና

2. ናይ ያሬድ ዜማ ኣብ እስራኤል                
ናይ ያሬድ ዜማ ድንግል እመቤተይ
ናይ መስቀል ውህበተይ
በየናይ ልሳነይ በየናይ ቃላተይ ክብለኪ ማርያመይ(2)
   ኣብ ሆላን
ናይ ያሬድ  ዝማሬ ውህበት ጥዑም ዜማ የብሉን ጎሮሮይ
ኣየናይ ልሳን’ዩ ዝበቅዕ ንዓኺ ድንግል ኣደ ጐይታይ(2)

3. ብስምካ ተኣሚነ 
  ኣብ እስራኤል 
ብስምካ ተኣሚነ ከይትገድፈኒ
ነቲ እከይ ጸላኢ ኣይትሃበኒ
ርህሩህ ኢኻ ጐይታይ ሰላም ዕረፍተይ
ጕዕዞይ ኣቕንዓለይ ጽናሕ ኣብ ቅድመይ

ኣብ ሆላን
ብስምካ ተኣሚነ ኣይትሕደገኒ
ንጸላኢየይ ሰይጣን ኣይትሃበኒ
ሰላመይ ኢኻ ጐይታይ ሓጐስ ዕረፍተይ
መንገደይ ኣቕንዓለይ ጽናሕ ኣብ ቅድመይ

4. ደኺመ ‘የ ኣነ
 ኣብ እስራኤል 

ደኺመ ‘የ ኣነ ብስጋ ፈተና
ብሓዘን ብጓሂ ብዓቢይ መከራ
ኣደይ ረዳኢተይ ቀልጢፍኪ ምጽኒ
የልቦን እዩ እሞ ንዓይ ዘጸናንዓኒ

ኣብ ሆላን
ማሲነ ኣለኹ ብስጋዊ ፈተና 
ናይ’ዛ ዓለም ሓዘን ጫፍ ውን ዘይብላ
ቀልጢፍኪ ምጽኒ ናብዛ ንእሽቶ ቤተይ
ኣጸናንዕኒ ድንግል እመቤተይ

መተሓሳሰቢ እዚ ኣብ ሆላንድ ኣብ እስራኤል ኢለ ጽሒፈዮ ዘለኹ ንሃገር ምሉእ ዝውክል ከም ዘይኮነ ንጹር እዩ። እዚአን ካብ ናይ ሓንቲ ናይ መዝሙር ጠራዝ ኣብ ሆላንድ ሓንቲ ናይ መዝሙር መጽሓፍ ድማ ናይ እስራኤል ኣንቢበ ከም ኣብነት ዘቕረብኩወን ደኣ እምበር፡ ነዛ ሓንቲ ከም ኣብነት ኣቕሪበያ ዘለኹ መዝሙር ንባዕላ ኣብ ሆላንድ ጥራይ ብዙኅ ትርጉም ክህልዋ ይኽእል እዩ። ኣብ እስራኤል ውን ከምኡ ኣብ ዝተፈላለያ ኣብያተ ክርስቲያናትን ውልቀ ሰባትን ዝተፈላለየ ትሕዝቶ ዘለዋ ሓንቲ መዝሙር ተሰኪምና ከም ዘለና ርጉጽ እዩ።

  ንዅሉ በብሓደ ክትጽሕፎ ዘሸግርን ዘየገድስን እኳ እንተኾነ ከም ኣብነት ንምርኣይ ግና ናይ 3 ሃገራት 4 መጻሕፍቲ መወከሲ ብምግባር ሒዝዎ ዘሎ ግጥምታት ብምንጽጻር ማዕረ ክንደይ ከም ዝተደባለቐና ነስተውዕል!


5ይቲ ዕጹብ ድንቂ እዩ

እስራኤል ዝተዳለወ ቁ 1 ገጽ 30            

ዕጹብ ድንቂ’ዩ ቲውዕለቱ
ኣምላኽ ንኣና ዝገበሮ
ከቶ ኣይጸላናን ንዘልዓለም
ከም እግዚአብሔር ዝኾነ የልቦን
ኣዘ፠፠፠
ወዲቕና ኔርና ኣተንሲኡ
ባሕሪ ከፊሉ ኣሳጊሩ
ናይ እምነት መርከብ እናንሳፈፈ
ሩባ ድነ ሞት እናሕለፈ
ኣዝ,,
ዝጠፍአ በጊዕ እናደለየ
ንገዛእ ረእሱ እናዋረደ
መስቀል ሓቑፉ ወዲቑ ኣብ ዓለም
ኣፍቂርናዩ ንዘልዓለም
ኣዝ,,,,
የህሊፉ ዘይህብ ኣቦ ኣሎና
ንጸላእትና ዘሕፍረልና
ኣብ ሓዘን ሽግር ተኻፋሊ
ለዋህ ኣምላኽ እዩ ተለማኒ
ኣዝ፠፠፠
ዳግማይ ክንቀውም ብሕይወት
ኣፍቂርና እዩ ክሳዕ ሞት
ደጊም ኣይንፈርሕን ኢና
ንኽፉእ ዘይህብ ኣቦ ኣሎና

 ኣብ ሚላኖ  ዝተዳለወ   ገጽ 75

ዕጹብ ድንቂ እዩ እቲ ውዕለቱ
እግዜብሔር ንኣና ዝገበሮ
ከቶ ኣይገደፈናን ንዘለዓለም
ከም እግዚአብሔር ዝኾነ የልቦን

ወዲቐና ኔረና ኣኣተንሲኡ
ባሕሪ ከፊሉ ኣሳጊሩ
ናይ እምነት መርከብ እናኣንሳፈፈ
ሩባ ድነ ሞት እናሕለፈ
ኣዝ፠፠፠
ንጥፉእ በጊዕ ንኽደሊ 
ንገዛእ ርእሱ ኣዋሪዱ
መስቀሉ ጸይሩ ጐይታ ዓለም
ኣፍቂርና’ዩ ንዘልዓለም
ኣዝ፠፠፠
ካብ ኣቦ ንላዕሊ ኣቦዩ
ብንብዓት ደቁ ዝሳቐዩ
ኣብ ሓዘን ሽግር ተኻፋሊ
ለዋህ ኣምላኽ’ዩ ተለማኒ
ኣዝ፠፠፠
ምእንቲ ክንረክብ ጽኑዕ ሕይወት
ኣፍቂርናዩ ብናቱ ሞት
ደጊም እሞ እንታይ የፍርሓና
ንኽፉእ ዘይህብ ኣቦ ኣሎና


6ይቲ ጌና ክንዝምር ኢና

ኣብ እስራኤል መጽሓፍ ቁ 3 ገጽ 84

ጌና ክንዝምር ኢና(4)
ከምቶም መላእኽቲ ብርሃን ለቢስና
ገና ክንዝምረ ኢና

ንወላዲት ኣምላኽ ኣብ ቅድሜና ጌርና
ብዳዊት በገና መሰንቆ ተዓጂብና
ንስላሴ ከብሪ ክንዝምረ ኢና
ጌና ክንዝምር ኢና
ኣዝ,,,
ምስቶም ዝሰልጠኑ ብሥራሕ መዝሙር
ንልቢ ዝምስጥ መዝሙር ክንዝምር
ዘይተሰምዐ ዜማ ዘይተራእየ ምስጋና
ከይወጸ ኣይተርፍን ካብ ናትና ልቦና
ጌና ክንዝምር ኢና
ኣዝ፠፠፠
ብትዕቢት ዘይኮነ ብዓቢይ ትሕትና
ብፍሉይ ምሳተ ብፍቕሪ ልቦና
ሥራሕና ይዅን ንኣምላኽ ምስጋና
ጌና ክንዝምር ኢና
ኣዝ፠፠፠
ዕርቃኑ እንተኾነ ተመሲጡ ዳዊት
ሜልኮል ብመዝሙሩ ዋላ ተሰሓቐት
ኣምላኽ ካብ ፈተወ ብኡኡ ክምስገን
ብደስታ ክዝምር ዝኽልክሎ የልቦን
ጌና ክንዝምር ኢና ጌና ክንዝምር ኢና(4)
ከም ናይ መላእኽቱ ብርሃን ለቢስና
ጌና ክንዝምር ኢና

ኣብ ሚላኖ   ገጽ 87

ጌና ክንዝምር ኢና(4)
ከም ናይ መላእኽቱ ብርሃን ለቢስና
ጌና ክንዝምር ኢና

ንድንግል ማርያም ኣብ ቅድሜና ጌርና
ብያሬድ ዝማሬ ብዳዊት በገና
ከም ናይ መላእክቱ ብርሃን ለቢስና
ጌና ክንዝምር ኢና
ኣዝ፠፠፠
ናይ ምስጋና ዜማ ጐይታ ሂብና ኣሎ
ከም ናይ መላእክቲ ንዑ ነመስግኖ
ዘይተሰምዐ ዜማ ካብ ሰብ ውን ዘይኮነ
ይዘምረ ይወድስ ብኡ ዝኣመነ
ጌና ክንዝምረ ኢና
ኣዝ፠፠፠
ሰላም ዝሰፈኖ ዝመልኦ ትሕትና
ንኽብሪ ክርስቶስ ንግለጽ ንፍቕርና
ሥራሕናውን ይኹን ንኣምላኽ ምስጋና
ጌና ክንዝምር ኢና
ኣዝ፠፠፠
ዳዊት ተመሲጡ ከቕርብ ምስጋና
ሜልኮል ሰሓቐቶ ሲኢና ልቦና
ኣምላኽ ግና ኣኽበሮ ሓረዮ ንዳዊት
ከቕርብ ዓደሎ ናይ ምስጋና መስዋዕት
ጌና ክንዝምር ኢና

 7ይቲ ናይ ያሬድ ጥዑም ዜማ 
ኣብ ሚላኖ ገጽ 106
 ናይ ያሬድ ጥዑም ዜማ ድንግል ኣደ ጐይታይ 
ውህበት ናተይ ኢኺ(2) 
 ብምንታይ ቃናይ ከመይ ዝበለ ቃል 
ማርያም ክብለኪ(2)

ኣብ ምድሪ ኣብ ሰማይ ተኣምርኪ ይንገሩ
ፍጥረታት ኵሎም ብኣኺ ይመስክሩ
ዘይውዳእ ምጽዋ’ዩ ብዙኅ እዩ ተግባርኪ
ድንግል ኣደይ ዝመስለኪ ዘይብልኪ

ማርያም ኢኺ ድንግል ረዳኢተይ
ንዒ ብጽሕኒ ክብለኪ ኣብ ጭንቀተይ
ተኣምርኪ ብዓይነይ ርእየ’ለኹ
ጽዮን ክብል ንድንግል እናፈተኹ
ኣዝ፠፠፠
ናይ እግዚአብሔር ጥበቡ ኣባኺ ተገልጸ
ዘርዘርኢ ኣዳም ኵሉ ካብ ሞት ተናገፈ
ናይ ቲ ድሕነት ምኽንያት ድንግል ንስኺ ኢኺ
ንፍጥረታት ኵሉ መሳልል ዝኾንኪ
ዘይፈልጦ ናይ ጽባሕ’ዩ ዘፍርሓኒ
ብፍጹም ሃልዊ ንስኺ ከይወድቀኪ
ቅድሜኺ ክቐውም’የ ንምስጋና
ማርያም ክብለኪ ብትሕትና
ኣዛ፠፠፠
ትውልዲ ብኹሉ ንምስጋናኺ ደው ይበል
ብኣኺ ኮይኑ እዩ ምድምሳስ’ቲ መርገም
ኣዳም ኮነ ደቁ ኣብ ሰማይ ኣብ ምድሪ
ማርያም ማርያም ይብሉ ተኣምርኪ ይንገር
እቲ ጸልማጥ ብልማኖኺ ተቕንጢጡ
ማርያም ብልማኖኺ ልበይ ዓሪፉ
ኣብ ጎነይ ኲኒ ክብል ጸኒዐ ኣለኹ
ንሓኣዊ ገደል ብኹሉ ይሓልፍ ኣለኹ

ኣብ ካይሮ ዝተኃትመት መጽሓፍ መዝሙር 142

ናይ ያሬድ ዜማ ድንግል ኣደ ጐይታይ
ናይ መስቀል ህያበይ(2)
በየናይ ልሳነይ በየናይ ቃለይ ከ 
ክብለኪ ማርያመይ(2)
ኣዝ,,,
ምድርን ሰማይን ተኣምርኪ ይነግሩ
ኵሎም ፍጥረታት ውን ንስምኪ ይምስክሩ
ከመይ ኢልና ክንገልጾ ድንቂ እዩ ሥራሕኪ
ኦ ድንግል ኣዴና የልቦን ዝመስለኪ

ማርያም ድንግል ረዳኢተይ
በጻሒት ኣብ ሽግረይ ኣብ ሓዘነይ
ተኣምርኪ ብዓይነይ ርእየዮ እየ
ጽዮን ምስ በልኩኺ ድንግል ዓጊበ እየ
ኣዝ......
ናይ እግዚአብሔር ጥበብ ብኣኺ ተገልጸ
ዘርኢ ኣዳም ኵሉ ካብ ጥፍኣት ደሓነ
ናይ ምድሓን ምኽንያት ማርያም ንስኺ ኢኺ
ንኵሎም ፍጥረታት መስገሪት ዝኾንኪ

እቲ ሃልሃልታ ሓዊ ኣይፈርህን
ምሳይ ከለኺ ድንግል ኣይጭነቕን
ኣብ ቅድሜኺ ደው ክብል ብምስጋና
ማርያም(2) ክብለኪ ብትሕትና
ኣዝ.........
ፍጥረት ኣዳም ኵሉ ንምስጋና ይቑም
ብኣኺ ተደምሲሱ እዚ ናትና መርገም
ኣዳም ምስ ደቁ ኣብ ሰማይ ኣብ ምድሪ
ማርያም(2) ይብል ንስምኪ ይምስክር

ድነ ጽልመት ካብ ገጸይ ተቐንጢጡ
ብልማኖኺ ድንግል ልበይ በርቲዑ
ምሳይ እንተለኺ ድንግል ይበራታዕ 
ማርያም ምስ በልኩ ከኣ ይጸናናዕ

8. ውዳሴ ማርያም ትብል መዝሙር ኣብዛ ናይ ሚላኖ ገጽ 88 ኣብ ናይ እስራኤለ 1ይቲ መጽሓፍ ገጽ 54 ውን ቁሩብ ናይ ቃላት ፍልልይ ኣሎ።
9. ናይ ልበይ ኵሉ ትብል መዝሙር ኣብዛ ናይ ሚላኖ ገጽ 89 ኣብ ናይ እስራኤለ 1ይቲ መጽሓፍ ገጽ 22 ውን ቁሩብ ናይ ቃላት ፍልልይ ኣሎ
10. ውዕለትኪ ድንግልትብል መዝሙር ኣብዛ ናይ ሚላኖ ገጽ 91 ኣብ ናይ እስራኤለ  3ይቲ መጽሓፍ ቁ 3 ገጽ 2 ውን ቁሩብ ናይ ቃላት ፍልልይ ኣሎ።

11. ቋንቋይ ኢኺ ኣብ ናይ ሚላኖ መጽሓፍ ገጽ 107 ኣብ ናይ ካይሮ ገጽ  178 ኣብ ናይ እስራኤል 3ይቲ መጽሓፍ ገጽ 23
12. ስለ ዘይንገር ህያቡ ገጽ 114   ኣብ ናይ እስራኤል 1ይቲ መጽሓፍ  ገጽ 41
13. ሚካኤል ክብል  ገጽ  116    ኣብ ናይ እስራኤል 3ይቲ መጽሓፍ ገጽ 87 ኣብ ናይ ካይሮ መጽሓፍ  ገጽ 185
14. ብወርቂ ቀለም ተጻሒፍኪ ገጽ  432  ኣብ ናይ እስራኤል 3ይቲ መጽሓፍ ገጽ 81
15. መርከበይ  ገጽ  156  ኣብ ናይ እስራኤል 1ይቲ መጽሓፍ ገጽ 108 ኣብ ናይ ካይሮ ገጽ 36

 መበል 16 ኣይስልክየንን ጌና 
እስራኤል ዝተዳለወ ቁ 3 ገጽ 9

ኣይስልክየንን ጌና ኣይስልክየንን ጌና ውዳሴ መዝሙር ቅኔ
ብዙኅ’ዩ ገይሩለይ እግዚአብሔር ኣብ ዘመነይ

ምሕረቱ ዓቢይ ፍቕሩን ሎሚ ውን ኣይሓደገን
ናብ ልሙዕ ሻኻ ለምለም ነባጊዑ ይመርሐን
ለዋህ እዩ ናትና ንጉስ ንዘለዓለም ዝሰርሕ
መጽሓፍ ዕዳ ገንጺሉ ማሕተም ሽግር ዝፈትሕ
ኣዝ,,,፣
ስሌና ተጸፊዑ ፍጹም ዓወት ሂብና
ስሌና ተሰቒሉ ብዓወት ኣንቢርና
ብዙኅ’ዩ ውዕለት ኣምላኽ ተዘርዚሩ ኣይውዳእን
ንውዕለቱ ዝገልጽ ቃላት ውን ኣይርከብን
ኣዝ፠፠፠
ንስኻስ ሓያል ኢኻ ዝመስለካ ውን የልቦን
ኣብ ዝፋን ትነብር ጸኒዕካ ንዘለዓለም
ንተስፋኻ ኣሚነ ናባኻ መጺአ ኣለኹ
ተመስገን ክበረለይ ንገሰለይ እናበልኩ
             ኣዝ፠፠፠
ፈሊካ ጸዊዕካኒ ጸጋኻ ኣብዚሕካለይ
ወትሩ ንግሆ ምሸት የመስግነካ ጐይታይ
ዘመደይ ፈታውየይ ኢለ ክጽውዓካ
ኢየሱስ ወዲ ኣምላኽ ለዊጥኒ ፍቕርኻ

ሚላኖ ኢጣልያ ገጽ 102

ኣይስልችወንን ኣነ ውዳሴ መዝሙር ቅኔ
ብዙኅ ነገር ጌርለይ እግዚአብሔር ኣብ ዘመነይ(2)

ንኣኻ ዝወዳደር ፈጺሙ ከቶ የልቦን
ካብ ሞት ውን ወጺአ ኣለኹ ክበር ውን ንዘልዓለም
ናጽነት ዝሃብካኒ ሕይወትካ ውን ወፊኻ
ተመስገን ክበረልይ ንገሰለይ ኦ ጐይታ
ኣዝ,,,,,,
ፈሊኻ ጸዊዕካኒ ኣብዚሕካለይ ኢኻ ጸጋ
ተዘክሮ ኣለኒ ዘይነጽፍ እዩ ለውሃትካ
ፈታውየይ ዘመደይ ኢለ ክጽውዓካ
ኢየሱስ ወልደ እግዚእብሔር ስሒብኒ ፍቕርኻ
ኣዝ፠፠፠
ለውሃትካን ፍቕርኻን ዘየርሓቕካ ካባና
ኣብ ዝለምለመ ሻኻ ስፍራ ዘዳለኻልና
ዓቢይ ዩ ናተና ጐይታ ዓቢይ ዩ ናትና ንጉስ
ማሕተሙ ዝፈትሐ ንዕዳና ዝድምስስ
ኣዝ፠፠፠
ሕይወቱ ንሞት ወፍዩ ሕይወት ዝዓደለና
ንቁስለና ብቁስሉ ገይሩ ዝፈወሰና
ኣይክእሎን ናቱ ፍቕሪ ምዝርዛሩን ምውራዩን
ውዕለቱ ውን ንምግላጽ ብዘይካ ውሱን ቃላት

 ትምህርተ ሃይማኖት የፋልሱ

ካብ ኣምሓርኛ ናብ ትግርኛ ዝትርጐሙ መዝሙራት እቶም ዝትርጉምዎም ሰባት መብዛኅትኦም ቋንቋ ስለ ዝኸኣሉ ጥራይ እዮም ዝትርጕምዎም። መንፈሳዊ መዝሙር ንምትርጓም ግና ናይ እምነትን ሥርዓት ቤተ ክርስቲያን ምፍላጥውን ቀንድን መሠረታውን ነገር እዩ። ነዚ ከየማልኡ ስለ ዝትርጕምዎም ድማ ዜማ ምእንቲ ክገጥመሎም ክብሉ ብዙኅ ንሃይማኖት ከፋልስ ዝኽእል ቃላት የእትዉሎም። ንኸየጋጥም ካብ ዝብል ስግኣት ኃሊፈ ብዛዕባዚ ኣብነት ንምቕራብ ክሳዕ ሕጂ ብዙኅ ብረቂቕ ዝገበርኩዎ መጽናዕቲ የልቦን።  ኣብ ቀጻሊ ኣምላኽ እንተ ረዲእኒ ብዛዕባዚ ዕሙቕ ዝበለ መጽናዕቲ እንተ ገይረ ብኻልእ ክፋል ክምለስ ተስፋ ይገብር:: ንጊዜኡ ግና ሓንቲ ቕልል ዝበለት ኣብነት ንውሰድ

“የሥላሴ መንበር ቅዱሳን ከበውት
ኪሩቤል በደመና ዙፋኑን ይዘዉት”

ትብል ናይ ሊቀ መዘምራን ይልማ ሃይሉ መዝሙር ናብ ትግርኛ ኪልውጥዋ ከለዉ ኣብ ብዙኅ ናይ መዝሙር ጠራዛት ነቲ ኪሩቤል ዝነበረ  “ኪሩብ” ብዝብል ተኪኦም ይዝምርዎ። እዚ ቃል እዚ ብምስትውዓል ንዝምርምሮ ክልተ ጸገማት ኣለዎ። ቀዳማይ ናይ ሃይማኖት ካልኣይ ድማ ናይ ቋንቋ። ሃይማኖት ኪብል ከለኹ ዙፋን ናይ ሥላሴ “ኪሩብ” ድዩ ተሰኪምዎ ዘሎ ወይስ “ኪሩቤል?” ብዝብል ንመርምሮ። ኪሩብ ናይ ሓደ መልኣኽ ስም እዩ(ዘፍ 3፡24)። ኪሩቤል ድማ ናይ ብዙኃት መላእኽቲ ስም እዩ። ስለ’ዚ ዙፋን ናይ ሥላሴ ሓደ ዘይኮነ ኣርባዕቱ እንስሳ እዮም ዝሽከምዎ። ቅዱስ ዮሓንስ “ነፍሲ ወከፍ መኣዝኑ፡ ብቕድሚኦምን ብድኅሪኦምን ኣዒንቲ ዝመልኦም ኣርባዕተ እንስሳ ኣለዉ” ኪብል ገሊጽዎም ኣሎ።(ራእ 4፡6) ኣብ ቅዳሴ ባሲልዮስ ምስ እንምልከት ውን “አርባዕቱ እንስሳ ሰባሕያን ወመዘምራን እለ ይጸውሩ መንበሮ” ኣመስገንቲን ዘመርትን ዚኾኑ ኣርባእተ እንስሳ ብምባል ሥርሖም ምምስጋንን መንበሩ ምሽካምን ምዃኑ ይገልጽ። ቅዱስ ዳዊት ውን ኣብ ልዕሊ ኪሩቤል ተወጢሑ ነፈረ፡ በኽናፍ ንፋስ ከኣ ተወንጨፈ”(መዝ 18፡9)  ብምባል ዝተሸከምዎ ኪሩቤል እምበር ሓደ ኪሩብ ከም ዘይኮነ የነጽረልና።  “ሕዝ 1፡  9፡3-4  10 1-2። 2ሳሙ 22፡11 መዝ 17፡10 1ሳሙ 4፡4 2ሳሙ 6፡2 2ነገ 19፡15 ኢሳ 37፡16 መዝ 80፡1 መዝ 99፡1 
ትምህርተ ሃይማኖት በዚ መገዲ ምስ ተዓረየ ዝተርፍ ድማ ቋንቋ እዩ። ኪሩብ ሓደ መልኣኽ ክነሱ “ኪሩብ ብደመና ንዙፋኑ ኂዙ” ክበሃል ደኣ ኔርዎ እምበር ንሓደ መልኣኽ “ኂዞም” ኢልካ ከተባዝኆ ቅኑዕ ትግርኛ ኣይኮነን። እዚ ምናልባት ትርጕም ናይቲ ቃል ካብ ዘይምፍላጥውን ዝመንጨወ ኪኸውን ይኽእል እዩ ዝብል ግምት ኣሎኒ። ስለዚ እቲ ቅኑዕ ትርጕም

ናይ ሥላሴ መንበር ቅዱሳን ከቢቦም
ኪሩቤል ብደመና ንዙፋኑ ኂዞም ኪኸውን ኔርዎ። 


ነቶም ብትግርኛ ዝዝመሩ መዝሙራትን ዘመርትን ከም ዝዳኸሙ ይገብሩ

ኣብ’ዚ ሕጂ ጊዜ እግዚአብሔር ይመስግና ብትግርኛ ዝዝመሩ መዝሙራት ውን በዚኆም እዮም ዘለዉ። ነዚ ብዝኆም ዝያዳ ከበራትዖምን ከብዝኆምን ዝገብር ድማ ሰማዒ ምስ ዝረኽቡ እዩ። ብርግጽ ሓደ ካሴት ክኅተም ዘጥፍእዎ ጊዜን ገንዝብን ጉልበትን ቀሊል ኣይኮነን። እዚ ዅሉ ድኻም ተኸፊልዎ ነዚ ገዲፍና ገና ናብ ትርጕም መዝሙራት ምስ እንዝንብል ግና ንኣኣቶም /ነዞም ናይ ትግርኛ ዘመርቲ/ ዓቢይ ናይ ሞራል ውድቀት እዩ። ካልኣይ ጊዜ ተጊሆም ንኽሠርሑ ድማ ምትብባዕ ንኸልኦም ኣሎና ማለት እዩ።


ሕዝቢ ኣብ ካብ ደርፊ ተላቒቑ ናብ መዝሙር ንኽሰጋገር ኣብ ዝግበር ጻዕሪ የዳኽሙ

 ሕዝብና ካብ ደርፍን ጓይላን ተላቒቑ ናብ መዝሙር ክሰጋገር ካብ ዝገበር ጻዕርታት ሓደ መዝሙራት ብመልክዕ ሲዲ(CD) ወይ ውን ዲቪዲ (DVD) ምቐራብ እቲ ዝቐለለን ዝኃሸን መገዲ እዩ። ንኣብነት ኣብ ቤተ ክርስቲያን ሓደ መዝሙር ይዝመር እሞ ካብ ምእመናን እዛ መዝሙር ደስ ኢላትኒ ኣበይ ኪረኽባ ይኽእል? ብምባል ብተደጋጋሚ ይሓቱ እዮም። ትርጉም ኣምሓርኛ እንተኾይኑ ካበይ ክትረኽበሎም ትኽእል? ካብ ናይ ትግርኛ መዝሙራት ምስ ዝኸውን ግና ዝግዝኣሉ ቦታ ኃቢረካ ወይ ውን ባዕልኻ ገዚእካ ኣምጺእካ ብምሃብ ንሓንቲ ስድራ ቤት ካብ ናይ ደርፊ ኩርማጅ ኣላቒቕካ ዓቢይ በረኸት ከተውርደላ ትኽእል። ስለ’ዚ እቲ ዝሓሸ መገዲ ቋንቋ ኣዴኻ ዓቂብካ ንምእመናን ድማ ብቐሊሉ ዝርድኦምን ብቐሊሉ ዝረኽቦምን መዝሙራት ምድላው እዩ እሞ ነዚ ንምግባር ኣምላከ ቅዱሳን ይሓግዘና። 

Sunday 28 January 2018

ኣይሁድን ሰብአ ነነዌን

ጽባሕ 21 ጥሪ 2010 ዓመተ ምሕረት ጾመ ነነዌ አዩ ርሑስ ምጅማር ጾም:: ቅዱስ ዮሓንስ ኣፈወርቅ "ሰብ ባዕሉ ርእሱ እንተዘይጐዲኡ ዋላ ሓደ ንእኡ ኺጐድእ ከም ዘይከኣል" ብዝብል  ኣርእስቲ ክምህር ከሎ ካብ ዝጠቐሶም 2 ኣብነታት ኣይሁድን ሰብአ ነነዌን ብዝምልከት ነዚ ዝስዕብ ይመስል

........ነዚ ሓሳብ እዚ እስራኤላውያን ካብ ግብጺ ክወፁ ኸለዉ ዚነበሩዎ ኵነታት ብምልዓል ዝያዳ ንጹር ክገብረልኩምዶ ትደልዩ ኢኹም? ኣቤት! ንእስራኤላውያን ዚተገብረ ምንክብኻብ ክንደይ ይበዝኅ ነይሩ?! ነፍሲ ወከፍ ዝርአ ፍጥረት ንኣኣቶም ንምግልጋል ዚተዳለወዶ ኣይነበረን እዩ? ሓድሽን ጋሻን ዝኾነ ናይ ሕይወት ኣካይዳዶ  ኣባታቶም ኣይኮነን እዩ? ምኽንያቱ ዘድልዮም ነገር ብዘይ ገንዘብ ብዘይ ዋጋ ስለ ዝረኸቡ ናብ ዕዳጋ ምኻድ ኣየድለዮምን። እምኒ ምስባር ወይ ሕርሻ ምሕራስ ወይ መሬት ምልስላስ ወይ ዘርኢ ምዝራእ ኣየድለዮምን። ዝናምን ንፋስን ወይ ናይ ወቕቲ ምፍርራቕ  ወይ ናይ ፀሓይ ብርሃን፡ ወይ ናይ ወርኂ ምውፃእ ወይ ኵነታት ኣየር ዝተስተኻኸለ ምዃን ወይ ካልእ ነዚ ዝኣመሰለ ነገር ኣየድለዮምን። ዓውዲ ምድላው ወይ መኼዳ እኽሊ  ወይ ነቲ እኽልን ሓሰርን ንምፍልላይ መስአ ምስንዳእ፡ ወይ መጥሓን ምትካል ወይ እቶን ምድላው ኣየድለዮምን። ዕንጨት ምእራይን ሓዊ ምንኻስን ወይ ምስንካት ወይ ባዴላ ምድላው ወይ ማዕጺድ ምስሓል ወይ ካልእ ዋላ ሓንቲ ነገር ኣየድለዮምን። ንኽዳውንቶም ኣላማይ ወይ ንቤቶም ሓናፂ ወይ ንጫማኦም ሰፋዪ ኣየድለዮምን። ንምንታይ? እንተ ተባህለ ናይ እግዚአብሔር ቃል ኵሉ ነገራቶም ስለ ዝነበረ እዩ። ብኢድ ሰብ ወይ ብድኻም ሰብ ዘይተዳለወ መኣዲ ስለ ዝነበሮም። ምኽንያቱ እቲ መና ሓድሽን ውዑይን ዋላ ሓንቲ ዘይክፈሎ፡ ወይ ንእኡ ንምርካብ ውረድ ደይብ ዘየድልዮ ስለ ዝነበረ። ክዳውንቶም፡ ጫማኦም፡ እዋእ! መኣስ እዚ ጥራይ፡ ናይ ኣካላቶም ድልዳለ እኳ ሕማም ረሲዕዎ እዩ ነይሩ። ክዳውንቶም ብምንዋኅ ጊዜ ኣይተቐደደን። እዚ ዅሉ ነዊኅ ጕዕዞ ኽጓዓዙ ኣእጋሮም ኣይሓበጠን። ኣብ ማእከሎም ሓኪም ኣይነበረን፡ መድኃኒትውን ኣይነበረን፡ ብፍጹም! ሕማም ኣይነበሮምን! “ሽዑ ደቂ እስራኤል ወርቅን ብሩርን ኂዞም ካብታ ሃገር ከም ዚወፁ ገበረ፡ ኵላቶም ከኣ ጥዑያትን ኃያላትን ነበሩ /መዝ 105፡37/” ከም ዝብል። እኳ ደኣ ከምቲ ካብዛ ዓለም እዚኣ ዝኸደን ናብቲ ላዕለዋይ ዓለም ዚተሰጋገረን ሰብ፡ ዋላ እኳ ዝበልዑን ዚሰትዩን ሰባት እንተ ኾኑ ፀሓይ ኣየቃጸሎምን፡ ፀሓይ ምእንቲ ከየቃጽሎም ደመና ኣብ ልዕሊኦም ሰፊኑ ከም ተንቀሳቓሲ ጽላል ኮይኑ መላእ ሰብነቶም የጽለሎም ነበረ። 

 ብለይቲውን እንተ ኾነ ንግርማ ጸልማት ዘርሕቕ ፋና ኣድለዮምን፡ ከምዚ እዩ ነይሩ ተባሂሉ ክንገረሉ ዘይክእልን ክልተ ጥቕሚ ዝህብን - እዚ ማለት እቲ ቐዳማይ ንኸብርሃሎም ብኻልኣይ ደረጃ ድማ መገዲ ንኽመርሖም - ዝተዋህቦም ዓምደ እሳት ነበሮም። እቲ እሳት እቲ ብርሃናዊ ጥራይ ኣይኮነን ዚነበረ፡ ካብቲ መገዲ መሪሑ ዝወስድ ሰብ ንላዕሊ ነዚ ኵሉ ሕዝቢ ኣብቲ ጭው ዝበለ በረኻ ትኽ ኣቢሉ ንኽመርሖምውን ጠቐመ። እስራኤላውያን ኣብ ልዕሊ መሬት ጥራይ ዘይኮኑስ፡ ከምቲ ኣብ ልዕሊ ደረቕ መሬት ዝኸይድ ሰብ ብማእከል ባሕሪውን ከምኡ ተጓዓዙ። ናብኡ ናብቲ ዜፍርህ ባሕሪ ኣትዮም ክስጉሙ ኸለዉ ድማ ካብ ሕጊ ተፈጥሮ ንላዕሊ ነበሩ። ምኽንያቱ ኣእጋሮም ናብ ባሕሪ ምእታው ክጅምሩ ኸለዉ እቲ መገዶም ዋላ ሓንቲ ማይ ከም ዘይነበሮ ኮይኑ ጭቃ ዘይብሉ ከም ከውሒ ዝምትራሩ ኮይኑ ነበረ። ጸላእቶም ናብኡ ምስ ኣተዉ ግና እቲ ባሕሪ ናብ ናይ ቀደም ተፈጥሮኡ ተመልሰ። እቲ ባሕሪ ንእስራኤላውያን ከም ሠረገላ ኮነሎም፡ 

ንጸላእቶም ግና መቓብር ኮኖም። እስራኤላውያን ብዘይ ዋላ ሓደ ሽግር ተሳገሩ፡ ጸላእቶም ግና እቲ ማዕበል ኣብ ልዕሊኦም ተነዋወፀ። እቲ ኣቐዲሙ ስርግርግ እናበለ ናብዝን ናብትን ዚነዋወጽ ዚነበረ ባሕሪ - በቲ ሓደ ሸነኽ ንኣኣቶም ንኽሕልዎም፡ ብኻልእ ሸነክ ድማ ንጸላእቶም ምእንቲ ከጥፍኣሎም - ከም ዝሓስብ ሰብ ኮይኑ ሥርዓት ኃዘ። ኣብ ውሽጢ ሓደ መዓልቲ ነዞም ተጻረርቲ ዝኾኑ ነገራት ይፍጽሞም ነበረ። ብዛዕባቲ ማይ ዚፈልፈለሎም ከውሒኸ እንታይ ክንብል ንኽእል? ሥጋ ደስ ኢሉና ምስ በሉ ካብ ምብዛኀን ዚተላዕለ ነታ ምድሪ ብዛዕባ ዝኸደናኣ ብርኒጎታትከ እንታይ ክንዛረብ ንኽእል? ብዛዕባ እቶም ኣብ ግብጺ ዚተገብሩ ተኣምራትከ? ብዛዕባ እቶም ኣብ በረኸታት ዚተፈጸሙ ድንቅታትከ? ናይ ዋላ ሓደ ደም ከይፈሰሰ ብዛዕባ ዚተጎናጸፉዎ ዓወትከ? ንጸላእቶም በዓል ከም ዘኽብሩ ደኣ እምበር ኲናት ከም ዘካይዱ ኾይኖም ኣይሰዓሩዎምን። ብዘይ ዋላ ሓንቲ ናይ ውግእ መሣርሒ ንጸላእቶም ሰዓሩዎም። ካብ ግብጺ ድኅሪ ምውፅኦም ብመዝሙርን ብዕልልታን ጥራይ እዮም ስዒሮምዎም። ስለዚ ዝገብሩዎ ዚነበሩ ሃይማኖታዊ በዓል እምበር ኲናት ኣይነበረን። 

 እዚ ዅሉ ዚተፈጸመሎም ግና ድሌታቶም ንምፍጻም ጥራይ ዘይኮነስ፡ ብኢድ ሙሴ ንዝተቐበሉዎ እግዚአብሔር  ስለ ምፍላጥ ከምኡውን ኣምላኾም ምሳታቶም ከም ዘሎ ዘረድኡ ትእዛዛተ እግዚአብሔርውን ንኽሕልዉን እዩ ተፈጺሙሎም። ንኣኣቶም ደረቕ መሬት ብምዃን ብድኅሪኦም ድማ ጥንተ ተፈጥሮኡ ብምኃዝ ባሕሪ ነዚ ዓው ኢሉ መስኪሩ እዩ። ፈለግ ኒል ናብ ደም ኪቕየር ከሎውን ነዚ ዓው ኢሉ መስኪሩ እዩ፡ ዕንቁሮዖብ፡ ዕስለ ኣንበጣ፡ ጽንጽያ ኸልብን ኵሎም እዚኣቶም ዓው ኢሎም ተዛሪቦም እዮም። ኣብ በረኻ ዚተፈጸሙ ድንቅታት፡ መና፡ ዓምደ እሳት፡ ደመና፡ ከምኡውን ካልኦት ፍጻሜታት ብምሉኦም - ከም መጽሓፍ እኳ ደኣ ተፋሒቑ ክጠፍእ ብዘይክእልን መዓልቲ መዓልቲ ኣብ ርእሶም እናቓጨለ (እናደወለ) ከዘኻኽሮም ብዝኽእልን መልክዑ - እዩ ኣገልጊሉዎም። እንተ ኾነ ግና ድኅርዚ ኵሉ ዓቢይን ኣደናቕን መግቦት ብድኅሪ እዞም ክንገሩ ዘይክእሉ ጥቕምታት፡ ድኅሪ እዞም ዓበይቲ ተኣምራትን ክግለጽ ዘይክእል ናይ እግዚአብሔር ምንክብኻብን ተደጋጋሚ ትምህርትን ብድኅርዚ ኵሉ ብቓልን ብተግባርን ዝቐረበሎም ትምህርትን ተግሣፅን፡ ኣዝዮም ኣደነቕቲ ዝኾኑ ዓወታት ድኅሪ ምጉንጻፎም፡ ኣዝዩ ብዙኅ መግቢ ድኅሪ ምርካቦም ኣዝዩ ብዙኅ ማይ ምስ ፈልፈለሎም፡ ኣብ ቅድሚ ኵሉ ዘርኢ ወዲ ሰብ ኣዝዩ ዘደንቕ ክብሪ ድኅሪ ምርካቦም ምስጋና ዘይብሎምን ዘይረብሑን ኮይኖም ንምራኽ ኣምለኹ፡ ንርእሲ ብዕራይ ኣመስገኑ። ነዚ ዝገበሩውን እኮ እቲ እግዚአብሔር ኣብ ግብጺ ዚገበረሎም ገና ካብ ርእሶም ከይጠፍአ እዩ፡ እዚ ጥራይ ዘይኮነ ሽዑ ሽዑ ዝረኽቡዎን ዝርእይዎን ክብሪ እናሃለዎም እዩ።

(14) ሰብአ ነነዌ ግና ዋላ እኳ ኣሕዛብ እንተነበሩ፡ ዋላ እኳ “እስራኤላውያን ዚረኸቡዎ ዓይነት ሓገዝ - ብውሑድ ይኹን ብብዝኂ፡ ብቓል ይኹን ብተኣምራት ወይ ብተግባር - ዋላ ሓንቲ መዓልቲ ዘይረኸቡ እንተ ኾኑ፡ ሓደ ካብ ሓደጋ መርከብ ዚተረፈ ሰብ ምስ ረኣዩ፡ ቅድሚኡ ዘይፈልጥዎ ሰብ ምስ ተዓዘቡ፡ ንመጀመርታ ጊዜ መጺኡ ናብ ከተማኦም ብምእታው “ነነዌ ኣብ ውሽጢ ሠለስተ መዓልቲ ክትግልበጥ እያ” ምስ በሎም፡ በዞም ቃላት እዚኣቶም ጥራይ ነቲ ናይ ቀደም ክፍኣቶም ገዲፎም ብመገዲ ንስሓ ናብ ምግበረ ትሩፋት ተጓየዩ ተለወጡን ተሓደሱን ድማ /ዮና 3፡4/። እግዚአብሔር ካብቲ ከውርደሎም ኢሉ ዚተዛረቦም ክፉእ ነገር ከም ዚጠዓስ ገበሩዎ። ኣብታ ኸተማ ክወርድ ተሓሲቡ ዚነበረ ኃያል መቕዘፍቲ ከም ዚተርፍ ገበሩዎ። ነቲ ተሓሲቡ ዚነበረ ሰማያዊ ቚጥዓ ኣትረፉዎ፡ ካብ ኵሉ ክፉእ ነገር ድማ ደኃኑ። እቲ ቓል ከምዚ ይብል “ኣምላኽ ከኣ ካብ እኩይ ግብሮም ማለት ካብ ክፉእ መገዶም ከም ዝተመልሱ ረኣየ፡ ስለዚ ሓሳቡ ለወጠ፡ ከምቲ ተዛሪቡዎም ዚነበረ ኸኣ ኣይቀጽዖምን /ዮና 3፤10/።

 ከመይ ኢሉ ተመልሰ? ንገሩኒ! ዋላ እኳ ክፍኣቶምን ዓቢይ በደሎምን ከምዚ እዩ ኢልካ ኺግለጽ ዘይክእል እንተ ኾነ፡ እቲ ነቢይ “እከዮም ኣብ ቅድመይ ደይቡ እዩ እሞ” ኢሉ ከም ዚተዛረበ ሞራላዊ ተግባሮም ኣዝዩ ሕሙምን ንኽትሕክሞ ዘሸግርን /ዮና1፡2/፡ ክፍኣቶም ክሳዕ ክንድዚ ዝኣክል ዓብዩ ክሳዕ መንበረ ጸባዖት በጺሑ እኳ እንተ ነበረ - ኣብ ውሽጢ ሠለስተ መዓልቲ ኣዝዩ ሓጺር ኣብ ዝኾነ ጊዜ፡ በቲ ካብ ሓደጋ መርከብ ድኂኑ ከይዱ ዚነገሮም ሓደ ሰብ ብኣዝዮም ውሑዳት ቃላት - ካብ ዓቢይ ክሳዕ ንእሽተይ ርእሶም ስለ ዘዋረዱ፡ ማቕ ስለ ዝለበሱ፡ ንናይ እግዚአብሔር ቊጥዓ ኣዝሓሉዎ፡ “ኣምላኽ ከኣ ካብ እኩይ ግብሮም ማለት ካብ ክፉእ መገዶም ከም ዝተመልሱ ረኣየ፡ ስለዚ ሓሳቡ ለወጠ፡ ከምቲ ተዛሪቡዎም ዚነበረ ኸኣ ኣይቀጽዖምን”  ዝብል ደስ ዘብል ቃል ድማ ሰምዑ። ስለዚ ርእሱ ዚገዝእን ንቑሕ ዝኾነን ሰብ ብሰባት ጕድኣት ክወርዶስ ይትረፍ፡ ንሰማያዊ ቊጥዓ እኳ ከመይ ገይሩ ከዝኅል ከም ዝኽእልዶ ትርእዩ ኣለኹም? ነዚ ብኣንጻሩ ገዛእ ርእሱ ባዕሉ ዚጐድእ ሰብ ግና፡ ዋላ ብዙኅ ረድኤትን ሓገዝን እንተ ተገብረሉ ዋላ ሓንቲ ጥቕሚ ከም ዘይረክብከ ኣስተውዒልኩምዶ? እወ! ኣይሁዳውያን በዞም ዓበይቲ ተኣምራት ዋላ ሓንቲ ኣይተጠቐሙን። ሰብአ ነነዌ ድማ ነቶም ተኣምራት እቲኣቶም ብዘይ ምርኣዮም ኣይተጐድኡን። እኳ ደኣ ብውሽጦም ስለ ዚተለወጡ፡ በታ ዝረኸቡዋ ንእሽተይ ዕድል ስለ ዚተቐየሩ - ዋላ ደኣ ኣሕዛብን ካብ እስራኤል ወፃእን ዚነበሩ ናይ እግዚአብሔረ ምግላጽ ዘይፈልጡ ካብ ፍልስጤም ኣዝዮም ርሒቖም ዚነብሩ ዚነበሩ ሰባት ይኹኑ እምበር ዋላ ሓንቲ ኣይተጐድኡን።

ቅዱስ ዮሓንስ ኣፈወርቅ ናብ ኦሎምፒያስ ዝለኣኾ መአኽታትን ካልኦትን ካብ ትብል መጽሓፈይ ካብ ገጽ 71 - 76 ዝተቖንጨል