bieteelyas.blogspot.com ቤተ ኤልያስ

Tuesday 26 April 2016

ሥርዓት ሰሙነ ሕማማት 2ይ ክፋል

 ጸሎተ ሐሙስ

ጸሎተ ሓሙሰ ኣብ ብሉይ ኪዳን ብዓል ቅጫ ዝብል ትርጉም ኣብ ልዕሊ ምሃቡ፡ ጎይታና ምስጢረ ቁርባን ምስ ምስጢረ ጸሎት ኣወሃሂዱ ዝገለጸላ ዕለት ስለ ዝኾነት ዓባይ ናይ ምስጢር መዓልቲ እያ። ኣብ’ዛ ዕለት እዚኣ ስግደትን ጸሎትን ምንባብን ከም ዝተለመደ ይኸውን። ፍልይ ብዝበለ ሥርዓት ታቦት ጸሊም ልብሲ ይለብስ፡ ጸሎተ ዕጣን ይጽለ፡ ቤተ ክርስቲያን ብማዕጠንት ይዕጠን። ብታሽዐይቲ ሰዓት ዲያቆን ክልተ ኮስኮሳት ማይ መሊኡ ሓደ ንኢድ ሓደ ድማ ንእግሪ መሕጸቢ ይቕርብ። ጸሎተ አኮቴት ዝተባህለ ዓይነት ጸሎት ተጸልዩ ወንጌል ተነቢቡ እቲ ማይ ብኢድ ካህን (ሊቀ ጳጳስ) ተባሪኹ ሥርዓት ሐጽበተ እግሪ ካብ ካህናት ኪሳብ ምእመናን፡ ኣወዳትን ኣዋልድን ህጻናትን ኩላቶም ብካህናት ኣቦታት ይፍጸም። ሥርዓት ሕጽበተ እግሪ ብማይ ጥራይ ዘይኮነ እንኮላይ ብቆጽሊ ኣውሊዕን ወይኒን ጌርካ እዩ ዝካየድ። ምስጢሩ ድማ ነዚ ዝስዕብ እዩ፥

ቆጽሊ ኣውሊዕ ጽኑዕ እዩ።ክርስቶስ ጽኑዕ መከራ ምቐባሉ ድማ የረድኣና። ብተወሳኺ ውን ንሕና (እቶም ዝሓጽቡን ዝሕጸቡን ክርስቲያን) መከራ ንምቕባል ድሉዋት ኢና ማለት እዩ።

ቆጽሊ ወይኒ "ብወይኒ ዝተመሰለ ደሙ ኣፍሲሱ ንምእመናን ናይ ሕይወት መስተ ንኽኾኖም ምሃቡ ንምዝካር እዩ።(ማቴ 26፡26) ብተወሳኺ ውን እዚ ሥርዓት እዚ ጎይታና ናይ ደቀ መዛሙርቱ እግሪ ብምሕጻብ ዝመሃሮ ናይ ተግባር ትምህርቲ ንምእመናን ንምርኣይ እዩ።(ዮሐ 13:14) ኣብ የማንን ኣብ ጸጋምን ዝቖሙ ሊቃውንት ድማ "ሐዋርያቲሁ ከበበ እግረ አርዳኢሁ ሐፀበ እናበሉ ይዝመሩ። እዚ ሥርዓት እዚ ምስ ተወድአ፡ ስርዓተ ቅዳሴ ተኻይዱ ምእመናን ቅዱስ ስጋኡን ክቡር ደሙን ይቕበሉ።

ናይ ጸሎት ሐሙስ ቅዳሴ ብትሑት ድምጺ እዩ ዝካየድ። በዚ ምኽንያት ድማ እዩ ኣብ ክንዲ ደወል እቲ ትሑት ድምጺ ዘለዎ ጸናጽል ንጥቀም። መጉልሒ ድምጺ ውን ኣይንጥቀምን ኢና። እቲ ካህን ይኹን ዲያቆን ድምጾም ኣትሕት እቢሎም እዮም ዝቕድሱ። ምኽንያቱ ድማ ይሁዳ ብምስጢር ንጎይታና ከም ዘትሓዞ ንምሕባር እዩ። ብካልእ መንገዲ ውን ናይ ዘመነ ብሉይ ዋጋኡ ምድራዊ ከም ዝነበረ ንምዝካር እዩ። ብምቐጻል ክቡር ይእቲ፡ ዕጣነ ሞገር ዝማሬ ዝተባህሉ ናይ ድጓ ክፍልታት ተዘሚሮም እቲ ኣገግገሎት ይፍጸም። ሕዝቢ ድማ ብዘይ ኑዛዜን ብዘይ ቡራኬን ይፋኖ።

ዕለተ ዓርቢ

ዕለተ ዓርቢ ኣምላኽና ናይ ኣዳም ነጻነት ንምምላስ ኪብል፡ ናይ ኣዳም ዕዳን በደልን ዚተሸከመሉ ናይ ሓዘንን ናይ ድሕነትን ዕለት እዩ። ኣብ’ዚ ዕለት እዚ ኩሉ ነገር ከም’ቲ ዝተለመደ ይካየድ። እቲ መራሒ እዝል ይመርሕ ህዝቢ ድማ ይቕበሎ። ኣርባዕቲኦም ወንጌላት ይንበቡ። ኣብ መንጎ መንጎ "ወጸቢሖ ተማከሩ ካህናት" ምስ ወግሐ ሊቃነ ካህናት ተማኸሩ ዚብል ዜማ፡ ብመራሒ ብተመራሒ ብህዝቢ ተሰጥዎ ይካየድ። ንባቡን ስግደትን ድጓን ከም’ቲ ዝሓለፈ ይቕጽል። ኣብ 3ይቲ ስዓት (ሰዓት 9 ናይ ንግሆ) ናይ ስቕለት ስእሊ መስቀል ወንጌል መብራህቲ ጽንሐሕ ፡ኣብ ኣፍ ደገ መቕደስ ይዳሎ። ዲያቆን ድማ በቃለ ማህዘኒ (ብናይ ሓዘን ቃል) ግፍኦሙ እግዚኦ ለእለ ይገፍኡኒ ይብል። ካህናትን ህዝብን ድማ ብዜማ እናተቐበልዎ ይሰግዱ።

ምስባክ ተሰቢኹ ኣርባዕተ ወንጌላት ይንበቡ። ኣብ 6ይቲ ሰዓት (ፍርቂ መዓልቲ) ናይ’ቲ ዕለት መራሒ እዝል ይመርሕ። ሰለስተ ካህናት ጽንሐሕ ሒዞም ከርቤ እናዓጠኑ፡ ዲያቆናት መብራህቲ እናብርሁ "ለመስቀልከ ንስግድ" እናበሉ የዚሙ። ምእመናን ድማ ዜማ እናተቐበሉ ይሰግዱ። ብድሕሪ’ዚ ዲያቆን "ቀነውኒ እደውየ ወእገርየ" ኣእዳውይን ኣእጋረይን ሸንከሩኒ(መዝ 22) ዝብል ምስባክ ሰቢኹ፡ ኣርባዕተ ወንጌላት ይንበቡ፡ ኣብ መንጎ መንጎ ድማ ድጓ ይዝየም። ብድሕሪ’ዚ ምእመናን ኮፍ ይብሉ፡ ሰለስተ ካህናት ጸሊም ልብሲ ለቢሶም ብናይ ሓዘን ዜማ "አምንስቲቲ ሙኪርያ አንቲ ፋሲልያሱ" ናይ ቅብጢ ቃል ክኸውን እንከሎ "ተዘከረነ እግዚኦ በውስተ መንግሥትከ ኣብ ትመጽእ መንግሥትኻ ዘክረና ማለት ኢዩ። ነዚ ሰለስተ ጊዜ ይብልዎ።

ሕዝቢ ድማ ቆይሙ ይቕበሎም። ሥርዓተ ስግደት ይከናወን። ኣብ 9ይቲ ሰዓት (ሰዓት ሰለስተ) እቲ ካልእ ከም’ቲ ልሙድ ኮይኑ "ኦ ዘጥዕመ ሞተ በሥጋ" ኦ ብስጋ ሞት ዝጠዓመ ዝብል ዜማ ካህናት ሰለስተ ጊዜ ይብልዎ። ምእመናን ድማ ይቕበልዎም። ምስባኽ ተሰቢኹ ኣርባዕተ ወንጌላት ይንበቡ። ስግደት ከም ቀደሙ እዩ። ኣብ 3ይ ሰዓት 6ይ ሰዓት 9ይ ሰዓት ወንጌላት ተነቢቦም ምስ ወድኡ ንምእመናን ትምህርተ ወንጌል ይወሃብ። እዚ ግን ከም ቀዋሚ ሥርዓት ዘይኮነ፡ ከም ኩነታቱ ዝጥዕም ጊዜ ምስ ዝኸውን እዩ። ሰዓት 11 (ሰዓት ሓሙሽተ) ካህናት ኣብ ኣርባዕተ መኣዝን ቆይሞም 400 እግዚኦታ የብጽሑ። ነቲ ዕለት ዝምልከቱ መዝሙራት ተመሪጾም ይንበቡ። ብድሕሪ’ዚ ነቲ ብሕማሙ ዘድሓንና እግዚአብሔር "ንሴብሖ" ነመስግኖ እናበሉ ብከበሮን ጸናጽልን ነቲ ቤት መቕደስ እናዞሩ ይምስገን። ኣብ’ቲ ዑደት ሥነ ስቕለቱ ሒዝካ እዩ ዝዝወር። ምእመናን ዚሰርሕዎ ሓጢአት እናተናዝዙ ኣብ ካህናት ኣቦታት ንስሓ ይቕበሉ። ብቆጽሊ ኣውሊዕ ድማ ይጥብጠቡ።

ቆጽሊ ኣውሊዕ ጽኑዕ እዩ።ክርስቶስ ጽኑዕ መከራ ምቐባሉ ድማ የረድኣና። ብተወሳኺ ውን ንሕና (እቶም ዝሓጽቡን ዝሕጸቡን ክርስቲያን) መከራ ንምቕባል ድሉዋት ኢና ማለት እዩ። ብዝተኣዘዝዎ መሠረት ድማ ስግደቶም ይውድኡ።

ብድሕሪ’ዚ ምእመናን ብናይ ካህን ኑዛዜ ነናብ ቤቶም ይፋነዉ። መስቀል ምስላም ሕጂ ውን የለን። ዝኸኣለ ካብ ሓሙስ ጀሚሩ ወይ ድማ ካብ ዓርቢ ምሸት ኪሳብ ዕለተ ትንሣኤ የኽፍል (ይጸውም)። እዚ ድማ ኣብ ዕለተ ስቕለት ብሐዋርያትን ብኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያምን ከም ዝተጀመረ ኣቦታት ይምህሩና።

ቀዳም ሥዑር

ቀዳምን ሰንበትን ብስርዓት ናይ ቤተ ክርስቲያንና ጾም ኣይፍቀድን እዩ። ኣብ’ዛ ጎይታና ኣብ ከርሲ መቓብር ዚነበረላ ቀዳም ግን ጸዊምና ስለ ንውዕል "ቀዳም ሥዑር" ተባሂላ ተሰምየት። በዓል ምስዓር ዘመልክት ኣይኮነን። ቀዳም ሥዑር ብምኽንያት ጾም ዝተሳዕረት ቀዳመይቲ ሰንበት (ቀዳም) እቲ ሥርዓት ለይቲ ብንባብ በመኀልየ ሰሎሞን ይጅምር። ማኀሌቱ እዝሉ እናተዜመ እናተመልጠነ፣ እናተዘመመ እናተመረገደ እናተጸፍዐ ይሓድር። ንግሆ አቡን መዋሥዕት ውዳሴ ማርያም ብዜማ በጺሑ "ወለመልአከ ሕይወትሰ ሰቀልዎ" ነቲ መልአከ ሕይወት ሰቐልዎ ብዝብል ሰላም ይፍጸም።

ገብረ ሰላም በመስቀሉ "ብመስቀሉ ሰላም ገበረ" (ኤፌ 2:13-15) እናተባህለ እናተዘመረ ሰቲ ኣብ ቤተ መቕደስ እናዞረ ብካህን ተባሪኹ ንምእመናን ይዕደል፡፡ ናይ ሰቲ ኣመጻጽኣን ምስጢርን ምስ ናይ ኣቦና ኖህ ታሪኽ ዝተኣሳሰረ እዩ። ምድሪ ብማይ ኣይሂ ኣብ ዝጠፍኣትሉ ጊዜ ናይ ኖህ እምንቲ መልእኽተኛ ዝኾነት ርግቢተ፥ ሰቲ (ቆጽሊ) ሒዛ ብምምጻእ እያ ናይ’ቲ ማይ ምጉዳል ዘበሰረት። ሎሚ ደማ ንናይ ሓድሽ ኪዳን ክርስቲያን ናይ ኃጢአት ጐደለ፣ ናይ ኃጢአት ማይ ጠፍአ ብናይ ክርሰቶስ ሞትን ትንሣኤን ነጻነት ተሰብከ ተኣወጀ ብምባል ካህናት ሰቲ ሒዞም ንምእመናን የበስርዎም።

ብሓፈሻ ኣቦታትና ንሥርዓተ ሕማሙ፤ ሰሙነ ሕማማት ብምባል ፍሉይ ሥርዓት ኣውጺኦም ተጊሆም ዘጽንሑልና ሥርዓተ መላእክት ኪንሕልዎን ኪንጥቀመሉን ይግብኣና።

No comments:

Post a Comment