bieteelyas.blogspot.com ቤተ ኤልያስ

Tuesday 26 April 2016

ሥርዓት ሰሙነ ሕማማት 2ይ ክፋል

 ጸሎተ ሐሙስ

ጸሎተ ሓሙሰ ኣብ ብሉይ ኪዳን ብዓል ቅጫ ዝብል ትርጉም ኣብ ልዕሊ ምሃቡ፡ ጎይታና ምስጢረ ቁርባን ምስ ምስጢረ ጸሎት ኣወሃሂዱ ዝገለጸላ ዕለት ስለ ዝኾነት ዓባይ ናይ ምስጢር መዓልቲ እያ። ኣብ’ዛ ዕለት እዚኣ ስግደትን ጸሎትን ምንባብን ከም ዝተለመደ ይኸውን። ፍልይ ብዝበለ ሥርዓት ታቦት ጸሊም ልብሲ ይለብስ፡ ጸሎተ ዕጣን ይጽለ፡ ቤተ ክርስቲያን ብማዕጠንት ይዕጠን። ብታሽዐይቲ ሰዓት ዲያቆን ክልተ ኮስኮሳት ማይ መሊኡ ሓደ ንኢድ ሓደ ድማ ንእግሪ መሕጸቢ ይቕርብ። ጸሎተ አኮቴት ዝተባህለ ዓይነት ጸሎት ተጸልዩ ወንጌል ተነቢቡ እቲ ማይ ብኢድ ካህን (ሊቀ ጳጳስ) ተባሪኹ ሥርዓት ሐጽበተ እግሪ ካብ ካህናት ኪሳብ ምእመናን፡ ኣወዳትን ኣዋልድን ህጻናትን ኩላቶም ብካህናት ኣቦታት ይፍጸም። ሥርዓት ሕጽበተ እግሪ ብማይ ጥራይ ዘይኮነ እንኮላይ ብቆጽሊ ኣውሊዕን ወይኒን ጌርካ እዩ ዝካየድ። ምስጢሩ ድማ ነዚ ዝስዕብ እዩ፥

Sunday 24 April 2016

ሰሙነ ሕማማት - ሠኑይ ርግመተ በለስ


እዛ ዕለት እዚኣ ናይ መጀመርያ መዓልቲ ናይ ሰሙነ ሕማማት እያ እሞ ካብ በረኸታ ንምክፋል ንቀደም በሉ!

ንጽባሒቱ ድማ ካብ ቢታንያ ኪወጹ እንከለዉ ጠመየ። ብርሑቕ ከኣ ቆጻል በለስ ረኣየ ምናልባሽ ገለ እንተ ረኸበላ ኪርኢ ናብኣ ከኣ፡ ናብኣ መጺኡ ከኣ ጊዜ በለስ ኣይነበረን እሞ ቆጽሊ እምበር ገለ እኳ ኣይረኸበላን። መሊሱ ድማ ካባኺ ሓደ እኳ ፍረ ኣይብላዕ በላ። (ማር 11፡13) ነዚ ቃል እዚ ከንብብ እንከለኹ ኣዝዩ ይደንቀኒ፡እቲ ንኹሉ ዚምግብ ጐይታስ ከመይ ኢሉ እዩ ጠመየ ዚብሎ?እስኪ ሕሰቡ ጐይታ ነታ በለስ ፍረ ከም ዘይነበራን ኣይፈልጥን ኔሩ ማለት ድዩ? እታ በለስ ኣብ ዘይጊዜኣ ኸ ከመይ ኢላ ኪትፈሪ ትኽእል ስለ ምንታይ ኣብ ዘይጊዜኣ ፍረ ስለ ዘይረኸበላ ረገማ? ብተወሳኺ ውን ዋላ እኳ ፍረ እንተ ደለየ ካብ ንዕኣ ምርጋምሲ ኵሉ ዚከኣሎ ኣምላኽ ስለ ዚኾነ ፍረ ከተውጽእ ዘይእዝዛ? ንሱ መርቑ ድኣ እምበር ኣይትርገሙ ዚበለ ኸ ከመይ ኢሉ ረገማ? ቀጺሉ ውን ጊዜ በለስ ኣይነበረን ይብል ጊዜ በለስ ዘይነበረኸ ከመይ ኢላ ፍረ ኪትፈሪ ደልይዋ? እዚስ ገለ ምሥጢር ድኣ ኪህልዎ ኣለዎ "ቃል ይቐትል ትርጉም (መንፈስ) ግና ሕያው ይገብር" ከም ዚተባህለ ናብ ትርጉሙ ከሕልፈኩም፥

ጸሎት ሰሙነ ሕማማት

 
 ሃሌ ሉያ..
ለከ ኃይል ክብር ወስብሐት ወእዘዝ ዝስከ ለዓለም
 
ኣማኑኤል ኣምላኪየ ለከ ኃይል ክ/ስብ/ወእ/ እስከ ለዓለም
 
ኦ እግዚእየ ኢየሱስ ክርስቶስ ለከ ኃይል ክ/ወስ/ወእ እስከ ለዓለም
 
ኃይልየ ወጸወንየ ውእቱ እግዚእየ እስመ ኮንከኒ ረዳእየ
 
እብል በአኰቴት አቡነ ዘበሰማያት ይትቀደስ ስምከ.......ለዓለመ ዓለም
  1. ለአምላክ ይደሉ ክብር ወስብሐት ወእዘዝ ዝስከ ለዓለም
  2. ለሥሉስ ይደሉ ክብር ወስብሐት ወእዘዝ ዝስከ ለዓለም
  3. ለማሕየዊ ይደሉ ክብር ወስብሐት ወእዘዝ ዝስከ ለዓለም
  4. ለዕበዩ ይደሉ ክብር ወስብሐት ወእዘዝ ዝስከ ለዓለም
  5. ለእዘዙ ይደሉ ክብር ወስብሐት ወእዘዝ ዝስከ ለዓለም
  6. ለመንግሥቱ ይደሉ ክብር ወስብሐት ወእዘዝ ዝስከ ለዓለም
  7. ለሥልጣኑ ይደሉ ክብር ወስብሐት ወእዘዝ ዝስከ ለዓለም
  8. ለምኵናኑ ይደሉ ክብር ወስብሐት ወእዘዝ ዝስከ ለዓለም
  9. ለኢየሱስ ይደሉ ክብር ወስብሐት ወእዘዝ ዝስከ ለዓለም
  10. ለክርስቶስ ይደሉ ክብር ወስብሐት ወእዘዝ ዝስከ ለዓለም
  11. ለሕማሙ ይደሉ (ኣብ ዓርቢ) ለመስቀሉ ክብር ወስብሐት ወእዘዝ ዝስከ ለዓለም

ሥርዓት ሰሙነ ሕማማት 1ይ ክፋል

ሥርዓት ማለት እንታይ ማለት እዩ?

ኣሕዋተይ ካብታ ንሕና ዝተቐበልናያ ሕጊ ዘኮነ፡ ብዘይ ሥርዓት ዝኸይድ ሓው ኪትፈልይዎ ብስም ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ንልምነኩም ኣለና። ኣባኻትኩም ብዘይ ሥርዓት ኣይተመላለስናን።(2ይ ተሰ 3፡6) 

ሥርዓት ንዑደት ናይ ስነ ፍጥረት ሕይወት መቆጻጸሪ መሳርሒ እዩ።

ናይ መዓልቲ ብለይቲ ናይ ለይቲ ድማ ብለይቲ ብምስልጣን ሥርዓተ ዑድት ንኸይጥሕስን፡ ናይ መዓልቲ ብመዓልቲ ናይ ለይቲ ድማ ብለይቲ እናተመላለስ ዕለታዊ ግብሩ ንኸከናውን ንኩሉ ፍጡር ፈጣሪኡ ሥርዓት ኣዋፊርዎ እዩ።(መዝ 106፡19-24)

ብፍላይ መንፈሳውያን ልኡኻን መንፈሳዊ ተልእኾኦም ብዘይ ሥርዓትን ብዘይ ሕግን ከካይዱ ከም ዘይክእሉን ከም ዘይግብኦምን እቲ ሐዋርያ "ካብ’ቲ ብዘይ ሥርዓት ዝኸይድ ሓው ተፈለዩ" እናበለ መሃረና። ሰለ’ዝኾነ ድማ ኣብ ሰሙነ ሕማማት ዚፍጸሙ ሃይማኖታዊ ተግባራት ካብ’ዚ ትምህርቲ እዚ ዚተረኸቡ ምዃኖም እናሓሰብና፡ ኣብ ሰሙነ ሕማማት ዝከናወኑ ሥርዓታት ቀጺልና ክንርኢ ኢና።

Friday 22 April 2016

ራእይ ዮሓንስ ናይ መወዳእታ ዓለም መበል 10ይ ክፋል


7 ናብ መልኣኽ ማሕበር ፊለደልፊያ ጸሓፍ::

"ሓደ ሓደ (ኮርዳኖስ) ዝተባህለ ሊቀ ጳጳስ እዩ ይብሉ።ከም ናይ በዓል ኣባ ሄሮኒመስ እንተኾይኑ ግን (ኮርዳኖስ) ናይ ኣቴና ጳጳስ ድኣ እምበር ናይ ፊለደልፊያ ኣይኮነን።ናይ ቤተ ክርስቲያን መተርጉማን ዲሜጥሮስ ይብልዎ።

እቲ ቅዱስ ሓቀኛ መርሖ ዳዊት ዘለዎ ንሱ ምስ ከፈተ ሓደ እኳ ዘይኣጹ ንሱ ምስ ኣጸወ ከኣ ሓደ እኳ ዘይከፍት ከምዚ ይብል ኣሎ

"ኣብ ናይ ፊለደልፊያ ቤተ ክርስቲያን ካብ ዝወረዱ መከራታት ሓደ ካብ ናይ ኣይሁድ ምኵራብ ምስጓጐምን ናይ ጸሎት መአከቢ ቦታ ምስኣኖምን እዩ" በዚ ምኽንያት ድማ "ሓቀኛ መርሖ ዳዊት ዘለዎ" ብምባል ተገሊጽሎም። ንዓኹም ኣውጺኦም ስለ ዝደርበይኹም ቅር ኣይበልኩም። ነዚ መከራ እዚ ብምቕባልኩም ንእትወርስዋ ርስቲ ዝህበኩም ኣምላኽኩም፡ ብዘይካኡ ክዓጽዋን ክኸፍታን ዝኽእል ዘይብላ መንግሥቲ ከውርሰኩም እዩ" በሎም።

Wednesday 20 April 2016

መልሲ ንልቡሳነ ሥጋ ኣጋንንት መበል 13 ክፋል

3ይ ድሕሪ ሞት ይቕረ ዝበሃል ኃጢኣት ስለ ዘሎ

እሞ'ኸ ድኣ ካብዚ ናይ’ዛ ምድራዊት ዓለም ንዝወጹን ብኣፀደ ነፍሲ ዘለዉን ክርስቲያን ምንቲ ካልእ ከይጽልዩን፡ ንሕና ድማ ምእንትኦም ከይንጽልን ዝእግደና እንታይ ጭቡጥ ምኽንያት ኪህሉ ይኽእል? ነዚ ዝጠራጠሩ ወይ ዘይኣምኑ ሰባት፡ መሠረታዊ ሽግሮም ሰባት ካብ’ዚ ናይ’ዚ ዓለም ሕይወት ምስ ወጹ (ምስ ሞቱ) ዋላ ሕንቲ ከም ዘይፈልጡ ምዉታን ጌርካ ካብ ምሕሳብ ዝመንጨዉ ግጉይ መበገሲ እዩ። እዚ ድማ ኣብ ላዕሊ ከም ዝተገልጸ ምስ መጽሓፍ ቅዱስን ምስ ናይ ቀዳሞት ኣቦታት ትምህርትን ብምንጽጻር ዓቢ ስሕተት ምዃኑ ተመልኪትና ኢና። ብሓፈሻ ፍትሓት ኣብ ሞትን ትንሣኤል ዘለና መጽሓፍ ቅዱሳዊ እምነት ዝግለጸሉ እዩ።

Monday 18 April 2016

መዝሙርን በረኸቱን ጓይላን ጉድኣቱን መበል 12 ናይ መወዳእታን ክፋል

ቅዱስ ማር ይስሐቅ "ናይ መናፍቓን መጽሓፍ ካብ ምንባብ ተኸልከል" ይብል። አረ ኣጥቢቑ ክእዝዘና እንከሎ "ዑቅ ከመ ኢትቅረብ ሃቤሃ" ናብ ንምቕራብ ኮነ ገንጺልካ ከይተንብባ ተጠንቀቕ" ይብል። ስለ ምንታይ ከነንብብ ከም ዘይብልና ክገልጽ ከሎ ድማ "መንፈሰ ጽርፈት ማለት ናይ ጸርፊ መንፈስ ንከይሓድረካ" ይብል (ማር ይስ ኣን ቀዳማዊ ምዕ9) ብርግጽ እዚ ብዛዕባ ናይ መናፍቓን መጽሓፍ ምንባብ ዝተጻሕፈ እዩ። እዚ ቅዱስ ኣቦ ከም ዘጠንቀቐና ድማ መጽሓፍ ናይ መናፍቓን ምንባብ ክፉእ ነገር እዩ። መጽሓፎም ካብ ምንባብ ንላዕሊ ግን ብናይ ደርፊ ዜማ ዝወጸ መዝሙራቶም ምስማዕ ይኸፍእ። ስለ’ዚ ልክዕ ከምቲ ካብ መጻሕፍቶም ከምኡ ድማ ካብ መዝሙራቶም ምስማዕ ክንክልከል ይግባእ። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ "እቶም ዝማረኹና ሰባት መዝሙር ክንዝምረሎም ሓተቱና እወ እቶም ሳቐይትና ሓደ መዝሙር ጽዮን ዘሙርልና እናበሉ ከነሐጉሶም ለመኑና፡ ከመይ ጌርና አእሞ ንእግዚኣብሔር መዝሙር ምስጋና ኣብ ምድሪ ጓና ክንዝምር ኢና" ዝብል ኣደናቒ ቃል ተጻሒፉ ይርከብ መዝሙር 1373-4 እዚ ቃል ናብ ባቢሎን ተሰዲዶም ብዛዕባ ዝነበሩ እስራኤላውያን ብመልክዕ ትንቢት ዝተዛረቦ ቃል እዩ። ኣብዚ ቃለ’ዚ ድማ እስራኤላውያን ኣብ ባዕድ ሃገር ከም ዘይ ዝምሩ ኣረጋጊጾም ኣለዉ።

መዝሙርን በረኸቱን ጓይላን ጉድኣቱን 11 ክፋል

2 ናይ መናፍቓን መዝሙር ንምጥንቃቕ
2.1 ናይ መናፍቓን መዝሙር ምስማዕ እንታይ ኣለዎ?
 

ጓይላን ደርፊ ምሰማዕን ናብ ናይ መናፍቓን መዝሙር ከቃልዓካ ይኽእል እዩ። ምኽንያቱ ናይ መናፍቓን መዝሙር ካብ ጓይላ ወይ ድማ ካብ ደርፊ ዝተፈለየ ኣይኮነን። ሓደ ሓደ ኦርቶዶክሳውያን መንእሰያት ንናይ መናፍቓን መዝሙር ዝድግፍ ኣተሓሳስባን ርድኢትን ከም ዝህልዎም ዝገበረ እቲ ኣብ ውሽጦም ዘሎ እንክርዳድ ዝኾነ ናይ ደርፊ ትምኒቶም እዩ። ብዙሓት ደረፍቲ ናብ መናፍቕነት ከም ዝኸዱን ኣብ’ኡ ዘመርቲ ተባሂሎም ክሳብ ምጽዋዕ ዝበጽሑን ድማ ናይ’ዚ ውጽኢት እዩ።ናይ መናፍቓን መዝሙር ምስማዕ ኩሎም እቶም ብዛዕባ ደርፊ ዝተነግሩ ጉድኣታት ወሲኹ ናብ ዝኸፍአ ጉድኣት የጋልጸካ። ስለ’ዚ ደርፊ ካብ ምስማዕ ናይ መናፍቓን መዝሙር ምስማዕ ብዕጽፊ ከም ዝኸፍእ ከነስተውዕል ይግባእ። ደርፊ ምስማዕ ኃጢኣት እዩ ናይ መናፍቓን መዝሙር ምስማዕ ግና ዓመጽን ክሕደትን እዩ። ኃጢኣት ናይ ምግባር ሕፀፅ ክኸውን እንከሎ ክሕደት ግና ናይ ሃይማኖት ሕፀፅ እዩ። ኣየናይ ዝኸፍእ ይመስለካ?

መዝሙርን በረኸቱን ጓይላን ጉድኣቱን 10ይ ክፋል

1.10 ካህንን ደርፍን
ካህናት ብዝምልከት ናብ ደርፊ ገጾም ከየዘንብሉ ኣዝዮም ትርር ዝበሉ ኣደነቕቲ ሥርዓታት ኣለዉ። ይትረፍዶ ካህን ንባዕሉ ሰበይቲ ካህን ውን ካብ ደርፍን ንዕኡ ዝኣምሰሉ ነገራትን ክትርሕቕ ኣለዋ። ብዛዕባ` ፍትሓ ነገስት መንፈሳውያን ካህናት ዝኾኑ ሰባት `ናብ ጓይላ እትኸይድ" ሰበይቲ ክምርዓዉ ከም ዘይግብኦም የጠንቅቕ (ፍት.ነገ ኣን 9) እንደገና ውን ብዛዕባ ናይ ካህናት ናብራ ክገልጽ እንከሎ "ኢይደልዎሙ ለካህናት ወለላእካነ ቤተ ክርስቲያን ወለሊቃናተ ምእመናን ከመ ይርአዩ ምንተኒ እምርእየተ ዘውስተ ከብካብ ወምስሐት። አላ ይትነሥኡ ወይሑሩ እምቅድመ ይባኡ መስተዛውያን" እዚ ማለት "ካህናትን ናይ ቤተ ክስርስቲያን ኣገልገልትን ናይ ምእመናን ሓለቓታትን መርዓን ካልእ ናይ ምሳሕ እንግዶትን ኣብ ዝተገብረሉ ቦታ ካብቶም ኣብኡ ዝረኣዩን ዝስምዑን ጓይላን ደርፍን ካልእ ንዕኡ ዝኣመሰለ ነገራትን ክርእዩ ኣይግባእን። ድሕሪ ምምጋቦም ኣቡነ ዘበሰማያት ደጊሞም ጓይላ ከይተጀመረ ይውጽኡ" ማለት እዩ (ፍት.ነገ ዘን 9)



መዝሙርን በረኸቱን ጓይላን ጉድኣቱን 9ይ ክፋል

1.9 ናይ ዘመንና ደረፍትን መንፈሳውነትን

ደርፍን ጓይላን ናይ ኣደባባይ ኃጢኣት እዩ። ስለ’ዚ ቤተ ክርስቲያን ደርፍን ጓይላን ብጠቕላላ እያ ተወግዝ። ካብ ክርስቲያን ቤተ ሰብ ተወሊዱ ዝተጠመቐ ሰብ ናብ ደርፊ ከይዝንብል ምምሃር ናይ ቤተ ክርስቲያን መንፈሳዊ ግዴታ እዩ። እንተ ኾነ ግን ሓደ ሰብ ብሓይሊ ክርስቲያናዊ ተግባር ክትሰርሕ ኣለካ ብምባል ተጽዕኖ ክትገብረሉ ግቡእ ኣይኮነን። ስለ’ዚ ቤተ ክርስቲያን ዘጠመቐቶ ውሉድ ግቡእ መንፈሳዊ ትምህርቲ ምሂራቶ ክነሳ ብድሌቱ ደራፊ እንተ ኾነ ወቐሳ የብላን። ሓደ ኣረማዊ ደራፊ ናይ ክርስትና ሃይማኖት ተኸታሊ ክኸውን ምስ ዝደሊ ድማ ኣቐዲምካ ድሕሪ ጥምቀቱ ደራፊ ኮይኑ ክቕጽል ከም ዘይክእል ክፈልጥን ክኣምንን ኣለዎ። በዚ ሓሳብ’ዚ እንተ ተሰማሚዑ ውሳኔኡ ንህዝቢ ብኣዋጅ ክነግር ኣለዎ። ደርፊ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ናይ እግዚኣብሔር ትእዛዝ ምፍራስ ስለ ዝኾነ፡ ንስሓኡ ድማ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ክኸውን ይግበኦ። እዚ ድሕሪ ምዃኑ ድሕሪ ምጥማቑ ዋላ ናብ ናይ ቀደም ደርፉ እንተ ተመለሰ ቤተ ክርስቲያን ካብ ነቐፌታ የድሕና እዩ። ምኽንያቱ ንሱ ባዕሉ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ምድራፍ ኣቋሪጸዮ ኣለኹ ኢሉ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ኣዋጁ ስለ ዝነበረ ቤተ ክርስቲያን ናይ ደርፊ ተሓባባሪት ከም ዘይኮነት ብግልጺ ይረጋገጽ።

መዝሙርን በረኸቱን ጓይላን ጉድኣቱን 8ይ ክፋል

1,8 ደርፊ ምድጋፍ
 
ናይ ሥጋ ሥራሕን ፍረን ዝኾነ ደርፊ፡ ናይ ሥጋ ትምኒት ስለ ዝኾነ ንእግዚአብሔር ደስ ኣየብሎን እዩ። ምኽንያቱ እግዚአብሔር ብናይ ሥጋ ፍቓድ ዝሕጎስ ኣይኮነን። ይትረፍዶ ብተግባር ዝፍጸም ሥጋዊ ሥራሕ’ሲ ይትረፍ ሥጋዊ ሓሳብ ውን ሞት ኣለዎ። ነዚ ድማ እቲ ቅዱስ ጳውሎስ "ብዛዕባ ሥጋ ምሕሳብ ሞት እዩ" ዝበሎ ቃል ምስክርና እዩ። በዚ ጥራይ ውን ኣየብቅዐን "እቲ ሓሳብ ሥጋ ምስ እግዚአበሔር ጽልኢ እዩ" ውን ይብለና። ኣስዕብ ኣቢሉ ውን እቲ ሐዋርያ "እቶም ኣብ ሥጋ ዘለዉ ንእግዚአብሔር ደስ ከብልዎ ኣይክእሉን እዮም" ኢልና ኣሎ ሮሜ (86-8) ከም ኵሉ ሥጋዊ ሓሳብ ደርፊ ናይ ሥጋ ፍረ ከም ምዃኑ መጠን ምስቲ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቐሰ ናይ ቅዱስ ጳውሎስ ቃል ኣነጻጺርና እንተ ርኢናዮ ምድራፍ ጥራይ ዘይኮነ ብዛዕባ ደርፊ ምሕሳብን ኣብ ጐኒ ጓይላን ደርፍን ደው ኢልካ ምክርኻርን ውን ኃጢኣት እዩ። ምኽንያቱ እቲ ሓሳብ ሥጋ ሞት እዩ ስለ ዝብለና። ኣብ ናይ ጓይላን ደርፍን ዓለም ዝተዋፈሩ ሰባት ኣዝዮም ካብ ምብዝሖም ዝተላዕለ፡ ደርፊ ኃጢኣት ምዃኑ ዘይፈልጡ ሰባት ኣይሰኣኑን እዮም። ብርግጽ ደረፍትን ማሕበሮምን ኣዝዩ ዓቢ ሓይሊ እዩ ዘለዎም። ካብዚ ዝተላዕለ ድማ ብዙሓት ደርፊ ምቅዋም ከንቱ ድኻም ጥራይ እዩ እናበሉ ተስፋ ክቖርጹ ይኽእሉ እዮም።

 


መዝሙርን በረኸቱን ጓይላን ጉድኣቱን 7ይ ክፋል

1 .7 ደርፊ ምስማዕ ኃጢኣት ድዩ?
ብዙሓት ሰባት "ነቲ ጽቡቕ ካብቲ ክፉእ እንዳፈለኹ እንተሰማዕኩስ እንታይ ኣለዎ? ብምባል ይሓቱ እዮም። እዚ ግና ስንፍና እዩ። ሕጊ እግዚአብሔር ከየፍረስካ ጽቡቕ ካብ ክፉእ ክትፈሊ ኣይትኽእልን ኢኻ። ክትፈላልዮም እትኽእል ድማ ነቲ ሕማቕ ውን ከይተረፈ ክትሰምዖ ምስ እትኽእል ጥራይ እዩ። ስለ’ዚ ነቲ ሕማቕ ብምስማዕካ ኃጢኣተኛን መፍረሲ ሕጊን ይገብረካ። እዚ ኩሉ ኮይኑ ኣብ መወዳእታ እትመርጾ ደርፊ ውን ምሉእ ብምሉእ ጽቡቕ ደርፊ ክበሃል ኣይክእልን። ብተወሳኺ ውን ከምዚ ዝኣክል ጥንቃቐ እናገበርካ ምስማዕ ከም ምስማዕ ጥራይ ክትቆጽሮ የሸግር እዩ። ካብዚ ኩሉ ድማ ደርፊ ጥቕልል ኣቢልካ ምግደፉ እቲ ዝቐለለ መድሃኒትን ኣማርጽን እዩ።

መዝሙርን በረኸቱን ጓይላን ጉድኣቱን 6ይ ክፋል

1,5 ኣብ ጊዜ ሓጎስ ይድረፍ ?
ብዙሓት ሰባት ሰብ ኣብ ጊዜ ፈተናን ሽግርን ጥራይ ዝፍተን እዩ ዝመስሎም። እንተ ኾነ ግን ሰብ ኣብ ጊዜ ሓጎስን ዘድልዮ ኵሉ ኣብ ዝረኸበሉ ጊዜን ውን ክፍተን ይኽእል እዩ። ካብ መከራን ስእነትን ንላዕሊ ሓጎስን ጽጋብን ንሰብ ዝያዳ ከም ዝፍትን ውን ብሩህ እዩ። ጥበበኛ ሰለሞን "እምበኣርሲ ኣነ ንልበይ ንሓጎስ ክፍትነካ እሞ ባህ ይበልካ በልኩ። ግናኸ እነሆ እዚ ውን ከንቱነት እዩ" ብምባል ዝተዛረቦ ቃል ሰብ ኣብ ጊዜ ሓጎስ ውን ብዝያዳ ክፍተን ከም ዝኽእል ዘረድአእ እዩ መክ 21 ደስታን ሓጎስን ኣኸቲልዎም ካብ ዝመጽኡ ዝተፈላለዩ ፈተነታት ሓደ ድማ ጓይላ እዩ። ሰባት ኣብ ጊዜ መርዓ ኣብ ዓመተ ልደቶም ኣብ ዘብዕልሉ ጊዜ ኣብ መመረቕታን ኣብ መዘናግዒታትን ግብጃታትን ካልኦት ዓበይቲ በዓላትን እነተዘይደረፉን እንተዘይ ሳዕስዑን ዝተሓጎሱ ኣይመስሎምን እዩ። ብፍላይ ኣብ ጊዜ መርዓ "ጓይላ የለን ብመዝሙር ጥራይ እዩ" እንተ ተባሂሉ "እዋእ አንዳ ሓዘን እምበር ኣምሲልኩሞ" ዝብሉ ሰባት ቊጽሮም ውሑድ ኣይኮንን። እዚ ድማ ኣብ ኵሉ ናይ ሓጎስ ጊዜ ጓይላ ክግበር ኣለዎ ካብ ዝብል ኣተሓሳስባኦም ዝመንጨወ እዩ። ብርግጽ ኣብ ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ናይ ሓጎስ መዓልታት ብዛዕባ ጓይላ መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብለና?