bieteelyas.blogspot.com ቤተ ኤልያስ

Thursday 2 June 2016

ተኣምረ ማርያም 5ይን ናይ መወዳእታን ክፋል


 በስመአብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ፩ዱ አምላክ አሜን

8 ዓለም ዘዘራረበ ዓቢ ተኣምር


ኣብ ካይሮ ኣብ ዝርከብ ናይ ኮፕት ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ናይ ደቂ ኣንስትዮ ገዳም እትነብር ሓንቲ ኣደ ነበረት። እዛ ኣደ ከምቲ ኣብ ወንጌል ዝተነግረ ንጐይታ ብፍጹም ልባን ብፍጹም ነፍሳን እትፈቱ ኣደ ነበረት። ኵሉ ጊዜ ኣብ ሓጎስን ኣብ ሓዘንን ኣብ ሕማምን ጥዕናን ናይ እግዚአብሔር ፍቓድ ኣብ ሕይወታ ንኽከናወን ትልምን ነበረት። ኵሉ ጊዜ ኣብ ጸሎታ “ፍትወይ ናተይ እዩ ዕላምኡ ውን ፍቕሪ እዩ” እናበለት ጐይታ ኣብኣ ዘለዎ ፍቕሪ ትምስክር ነበረት።

እዛ ክብርቲ ኣደ ንጐይታ ብምኽታል ንሕይወታ ናይ ቤተ ሰብን ናይ ሃገርን ፍቕሪ ከየሰናኽላ ካብ ወለዳን ካብ’ቲ መንበሪ ቦታን ርሕቕ ናብ ዝበለ ናይ ደቂ ኣንስትዮ ገዳም ብምኽያድ ብምንኵስና ተወሲና ንእግዚአብሔር ተገልግል ነበረት።

በዚ ዓይነት ኵነታት መንፈሳዊ ሕይወት እንዳመርሐት ዝነበረት ነዛ ብርኽቲ ኣደ ኣብ መንፈሳዊ ሕይወታ ዕንቅፋት ንምፍጣር ሰይጣን ተዓጢቑ እኳ እንተ ተዋግኣ ኣጽዋር ጽድቂ ለቢሳ ተጋድሎኣ ብምፍጻም ነቲ መጥቃዕቲ ትጻወሮ ነበረት። ናብኣ ንኸይቀርብ ውን ብጾምን ጸሎትን ትጸንዕ ነበረት። (ኤፌ 5፡12)

ኢዮባዊ (ናይ ኢዮብ) ትዕግሥቲ መለለይኣ ዝኾነ እዛ ኣደ ጸላኢ ውግኡ ኣሐይሉ መበገሲኡ እንታይ ከም ዝኾነ ብዘይፍለጥ ኵነታት ብጽኑዕ ደዌ ከም እትውቃዕ ገበራ። ብዝተገብረላ ናይ ሕክምና መርመራ ውን ሕጂ ካብ ዘላቶ ሕማም ምእንቲ ክትፍወስ ኦፕራስዮን ንኽትግበር ግዴታ ከም ዝኾነ ተወሰነላ።

ኣብ ካይሮ ኣብ ዝርከብ ናይ ግብጺ ኦርቶዶክስ ቤተ ክርስቲያን ሆስፒታል ኦፕራስዮን ንምግባር ምድላው ትገብረሉ ኣብ ዝነበረት ኵነታት ንምሸቱ ካብ ዓይና ዘየቋርጽ ናይ ንብዓት ውሕጅ ብምፍሳስ ሓዘና ትገልጽ ነበረት። ብፍላይ ድማ ኦፕራስዮን ዝገብራ ሓኪም ክርስቲያን ስለ ዘይነበረ ዓቢ ሓዘን ተሰምዓ። ብብኽያት ብዝተዓጀበ ጸሎታ ውን “ እመቤተይ ኵሉ ሕይወተይ ንወድኺ ሂበ ብፍቕሩ ንምንባር ኣብ ዝወሰንኩሉ ጊዜ ዓለም ንዓይ ምዉት ምዃኑ ኣሚነ ብኣማላድነትኪ ነዚ ነዊሕ ጕዕዞ ጀሚረስ ከመይ ኢሉ ናይ ኣህዛብ ሓኪም ሰብነተይ ክርኢ ፈቒድኪ? ኦ ኣደይ እዚ ከመይ ኢሉ ኣባይ ይግበር? እናበለት ብንብዓት ትጽሊ ነበረት። ኣብዚ ጊዜ እዚ ካብ እትጽልየሉ ስእሊ ዓቢ ብርሃን ክወጽእ ጀመረ። እቲ ብርሃን ነቲ ዝደቀሰትሉ ገዛ ድሕሪ ምምልኡ እመቤትና ኣብቲ ውሽጢ ብርሃን ተገሊጻ ነታ ዝሓመመት መነኵሲት ከተዘራርባ ጀመረት። “ፍትውቲ ጓለይ ስለ ምንታይ ሓሪቕኪ? ስለምንታይ’ከ ሓዚንኪ? ሕማምኪ እኮ ናይ ጐይታ ፍቓድ እዩ? ኦፕራስዮን ዝገብረኪ ውን ኢኣማኒ ሓኪም ዘይኮነስ ኣነ እየ። ካልእ ሰብ ኣብ መንጎና ኣየድልን እዩ፡ በሊ ሥራሕና ንጀምር” በለታ ድሕሪ ቊሩብ ደቓይቕ እመቤትና “ኵሉ ነገር ተወዲኡ እዩ፡ ካብ ሕማምኪ ተፈዊስኪ ኢኺ ከምኡ ውን ኣብ ካልእ መዓልቲ መጺአ ክበጽሓኪ እየ ኢላ ብደም ዝተዓለሱ ኣንሶላታት ኣብኡ ተሪፎም ድንግል ተሰናበተታ።

ንጽባሒቱ እታ መነኵሲት ናብ ናይ ኦፕራስዮስን ክፍሊ ንምውሳድ ዝመጸት ነርስ ጋሻ ዝኾነ ነገር ከም ዝተፈጠረ ብምግማት ብዛዕባ እቲ ኵነታት ንኽትገልጸላ ነታ ክብርቲ መነኵሲት ሓተታ። ክብርቲ መነኵሲት ድማ “ጓለይ ኦፕራስዮን ቅድሚ ቊሩብ ሰዓታት ብለይቲ ተወዲኡ እዩ ምልክቱ ውን እነሀልኪ” ብምባል ነቲ ብደም ዝተዓለሰ ጨርቂ ኣመልከተትላ። በቲ ዝኾነ ነገር ዝሰንበደት ነርስ ድማ ነዚ ጕዳይ ነቶም ኦፕራስዮን ክገብሩ ኣብ ተዳልዮም ንዝጽበይዋ ሓካይምን ኵሎም ዝከታተልዋን እዚ ኣደናቒ ተኣምር ነገረት።  ዶክተራት እዚ ድንቂ ተኣምር ምስ ኣረጋገጹ ኦፕራስዮን ብኣገባብ ከም ዝተኸናወነን እታ መነኵሲት ድማ ኣብ ፍጹም ጥዕና ከም ዘላን ብምርግጋጽ በቲ ክስተት ኣዝዮም ተደነቑ። ከምዚ ዓይነት ተኣምር ኣብ ሕይወት ዘመኖም ከምዘይገጠሞምን፡ እመቤትና ብግልጺ ነዚ ምግባራን ንክርስቲያን ዓቢ ሓጎስ ምዃኑን መስከሩ። ብፍላይ ኢኣማኒ ዝነበረ ሓኪም ነዚ ጕዳይ ብዕምቆት ብምርድኡ ብፍጹም ምግራም ክገልጾ ብዘይክእል ኵነታት ዝተገብረ ተኣምር ክምስክር ጀመረ።

ናይ ግብጺ ኦርቶዶክስ ቤተ ክርስቲያን ነዚ ተኣምር ብመንገዲ ፓትርያርካ ብደም ዝተዓለሰ ጨርቂ ከይተረፈ ናይ እመቤትና ተኣምር ብቪድዮ ቀሪጻ ምእመናን ከም ዝርእይዎ ገበረት። ክሳብ ሎሚ እዛ ብርኽቲ ኣደ ኣብ ግብጺ አብ ዘሎ ናይ ደቂ ኣንስትዮ ቦታ ኣህዛብ ሽግር ንኸይፈጥሩላ ብሕቡእ ትነብር ኣላ። ካብኣ ዝርከብ በረኸት እንዳ ተቐበሉ ብዙሓት ክፍወሱ ይርከቡ ኣለዉ። ልመናኣን ክብራን ናይ ወዳ ፈታዊኣ ምሕረትን ምስ ኵልና ይኹን ኣሜን።

ጸሎት

ኦ እመቤተይ ነዚ ተኣምርኪ ንዘንበብኩን ንዝሰማዕኩን ንዓይ ንባርያኽን ፈታዊኽን ከምቲ ነዛ ክብርቲ መነኵሲት ዝገበርክዮ ድንቂ ነገር ንዓይ ንባርያኺ ግበርለይ። ናትኪ ንጽሕና ስለ ርኽሰተይ ናትኪ ምእዛዝ ንዓመጻነተይ ናትኪ ክብሪ ንምውራደይ መተካእታ ኮይኑ ካብቲ ዘጨንቐኒ ዘሎ መከራይን ስቓይን ሽግረይን ቀልጢፍኪ ኣድሕንኒ።

ሓዘነይ ናብ ሓጎስ ስቓየይ ናብ ዕረፍቲ ምግፈዐይ ናብ ነጻነት ለውጥለይ ንዘለኣለም ኣሜን

5 comments: