bieteelyas.blogspot.com ቤተ ኤልያስ

Wednesday 5 April 2017

እታ መዓልቲ ምድኀን ሕጂ ኢያ

ብምኽንያት መድኃኔ ዓለም ፳፯ (27) መጋቢት ዚተዳለወ ጽሑፍ

 ወዲ ሰብ ብሰንኪ ዝፈጸሞ ዓመጽ ን5500 ዘመናት ኣብ ሲኦል ተኸርዲኑ መላገጺ ናይ ኣጋንንቲ ዝነበረላ ኣብ ጸልማት ቤት ማእሰርቲ ተዓጽዩ ዝሳቐየላን ዘልቅሰላን ዝነበረ ሕይወት ሎሚ መዓልቲ ኣኽቲማ ኢያ። ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ሰማይ ወሪዱ ኣብ መስቀል ተሰቒሉ፡ ነቲ ኣሳሪና ዝነበረ ሰይጣን ኣብ መስቀል ኣሲሩ ንኣዳምን ደቁን ኮታ ንዅሉ ዓለም ድኅነት ዝሃበላ: እወ እታ መዓልቲ ምድኀን በዛ ሎሚ ዕለት ኢያ ነይራ፡ በዚ ምኽንያት ድማ ኢና ነቲ በዛ ዕለት እዚኣ ድኅነትና ዝኣወጀ ጐይታ መድኃኔ ዓለም እናበልና ዓመት መጸ ነኽብራ ዘለና።

 እዛ ዕለት እዚአ መድኃኔ ዓለም ነቲ ኣሳሪና ዝነበረ ሰይጣን ኣብ መስቀል ኣሲሩ፡ ነተን ኣብ ሲኦል ተኣሲረን ዝነበራ ነፍሳት ድማ ፈቲሑ፡ ካብ ሲኦል ናብ ገነት ካብ ጸልማት ናብ ብርሃን፡ ካብ ኃዘንን ብኽያትን ድማ ናብ ሓጐስን ዕረፍትን ዘሰጋገረለን ክብርቲ ዕለት ኢያ። ኦ ክርስቲያን ኣኅዋተይ ንስኻትኩም ከ ካብ ሲኦል ወፂኹምዶ ትኾኑ? እዚ ኵሉ ባእስን ዕግርግርን ደም ምፍሳስን ድምፂ ጓይላን ኣውያትን ደኣ ካበይ እዩ ዝስማዕ ዘሎ? ኣኅዋተይ እዚ እኮ እዩ ሲኦል! ነዚ በዛ ሎሚ መዓልቲ ብደሙ ዝገዝኣና ጐይታ ዘመንና ምሉእ ከይዘመርናሉ ቅዳሴን ማኅሌትን ከየቕረብናሉ በቲ ናይ ሰይጣን መሥዋዕቲ ዝተባህለ ብደርፍን ጓይላን ልብና ተባሒቱ፡ ኣኅዋትና ዝበልዕዎ ስኢኖም እናተጨነቑ ንሕና ብስኽራንን ብዝሙትን ክንረክስ፡ ሕይወት ደቅናን ቅድስና ሓዳርናን ከይገደሰና ኣብ ለይታዊ ትልሂት ክንዓብድ! ኣየ ኣኅዋተይ ንሕና ደኣ እሞ ካብ ሲኦል መኣስ ወፂና? ካብ ጸልማት ከ መኣስ ተላቒቕና፡ እዋይ ከኅዝነካ! ሰብዶ ካብ ብርሃን ጸልማት ይመርጽ እዩ? ድኅነት ተዋሂብና እንከሎስ ኵነኔ ንመርጽ! ለካ ነቢይ ኤርምያስ “ፍርዲ ኽሳዕ ሰማይ በጺሑ፡ ክሳዕ ደበናውን ደዪቡ እዩ እሞ፡ ንባቢሎን ክነሕውያ ደሌና፡ ግናኸ ኣይሐወየትን። ኅደግዋ፡ ንዑናይ ነፍሲ ወከፍ ነናብ ሃገርና ንኺድ” /ኤር51:9/ ዝበሎ ቃል ብዛዕባና እዩ ነይሩ። 

 ኣኅዋተይ ድኅነት እኮ ተዋሂብና እዩ፡ ብደሙውን ተፈዊስና ኢና እሞ “ከምቲ ሓሰማ ተሓጺባ ናብ ጸብሪ ከልቢ ድማ ናብ ትፍኡ ተመልሰ” /2ይ ጴጥ 2፡22/ ብምባል ቅዱስ ጴጥሮስ ዝነገርና ነቲ ትፋእ ዝተመሰለ ጓይላን ዳንኬራን ገዲፍና ናብ ቅዳሴን መዝሙርን፡ ካብ ስኽራንን ዝሙትን ወፂና ድማ ናብቲ ሓደ ምስ ሓንቲ ዝብል ቅዱስ ሓዳር፡ ካብ ምፍልላይ ድማ ናብ ሓድነትን ናብቲ ኃወይ ኃፍተይ ዘብል መንፈስን ክንመጽእ ይግበኣና እዩ። ነዚ ኽንገብር መድኃኔ ዓለም ብጸጋኡ ይደግፈና።  

 መኣስ እዚ ጥራይ በዛ ዕለት እዚኣ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ናብ ሲኦል ወሪዱ ንሲኦል በዝበዛ ነተን ኣብኡ ተሰዲደን ዝነበራ ነፍሳት ድማ ናብ ገነት ኣሳገረን እኮ እዩ ዝብለና እቲ ጽሑፍ። ንሕናኸ ኣኅዋተይ ኣበይ ኣለና ኣብ ገነት ዝተመሰለት ቤተ ክርስቲያንዶ ሰንበት ሰንበት ንመላለስ ዋላስ ኣብታ ናይ ሲኦል ምሳሌ ዝኾነት ብገዓርን ብኽያትን ብጭንቀትን ተስፋ ምቑራጽን ዝተመልአት ዓለም ኣብ ኣብ ጓይላን ደርፍን ኢና  ቤተ ሰይጣን ነስፋሕፍሕ ዘለና? ኣኅዋተይ እታ መዓልቲ ምድኀን ሕጂ እያ እሞ ነዚ ኸምዚ ዝስዕብ ዝብል ማዕዳ ናይ ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ጽን ኢልኩም ስምዑኒ “ምድኀን ካብቲ ዝኣመንናሉ ጊዜ ሕጂ ኣዝዩ ናባና ቐሪቡ ኣሎ እሞ ካብ ድቃስ እትበራበርሉ ዘመን ከም ዝበጽሐ ነዛ ዘመን ፍለጥዋ፡ ለይቲ ኃሊፉ መዓልቲ ቐሪባ እያ እሞ ግብሪ ጸልማት ካባና ደርቢናስ ኣጽዋር ብርሃን ንልበስ፡ ከም ብመዓልቲ ብቕንዕና ንመላለስ፡ ብጓይላን መስተን ኣይኮነን ብምንዝርናን ዕብዳንን ብባእሰን ቅንኣትን ኣይኮነን” /ሮሜ 13፡12/ ብምባል እቲ ሓዋርያ ዝሰበኸና ስብከት ኣሜን ኢልና ብልብና ኽንቅበሎ እግዚአብሔር ይኃግዘና።

 ኣኅዋተይ መድኃኔ ዓለም በዛ ዕለት እዚኣ “ብመስቀሉ ሰላም ገበረ” ዝብል ኣብቲ ቅዱስ መጽሓፍ ተጻሒፉ ዘሎስ ነንብቦዶ? እሞኸ ደኣ ነዚ ሰላማዊ ኣምላኽ እነምልኽ ናይዚ ሰለማዊ ንጉሥ ዝኾነ መድኃኔ ዓለም በዓል ከነብዕል ዝተኣከብና ኵልና ሎሚ ኣብ ውሽጥና ሓቀኛ ሰላም ይህልወናዶ? ኣብ ሓዳርና ሰላም ኣሎ? ምስ ስድራና ምስ ኣኅዋትናን ምስ ደቅናን ሰላም ኣለና? አረ ምስኦምሲ ይትረፍ ድኃን ንሕና ንባዕልና ናይ ውሽጢ ሰላም ኣለና ድዩ? ጥዑም ድቃስ ዝደቀስናሉ ዘመን መኣስ ነይሩ? ገንዘብ ክንኣሪ ነቲ ናይ ሰላም ንጉሥ ገዲፍናዮ፡ እቲ ሰላም ድማ ንኣና ገዲፉና። ኣኅዋተይ ገንዘብ ደኣ ዓራት እምበር ድቃስ መኣስ ይገዝእ ኾይኑ፡ ብገንዘብ መድኀኒት እምበር ጥዕና ኣይግዛእን እዩ፡ ስለዚ ኣኅዋተይ ጥዑም ድቃስን ናይ ዘልዓለም ዕረፍትን ሓቀኛ ሰላምን እንተ ደሊና ነቲ “ሰላመይ እህበኩም ሰላመይ እኃድገልኩም ኣለኹ እቲ ኣነ ዝህበኵም ሰላም ከምቲ ዓለም እትህበኩም ሰላም ኣይኮነን፡ ልብኹም ኣይሸበርን ኣይሰምብድን” /ዮሐ 14፡27/። ዝበለና ንጉሠ ሰላም  ክርስቶስ ልብና ኸፊትና እንድኅነላ ሰዓት ሕጂ እያ።

 ካልእ ብዛዕባ ሎሚ መዓልቲ መድኃኔ ዓለም ዝፈጸሞም ሥራሓት ድማ ቅዱስ ጳውሎስ “ንሱ ብመስቀሉ ነቶም ክልተ ሓደ ዝገበረ ነቲ ኣብ መንጎና ዝነበረ ከልካሊ ቐጽሪ ድማ ዘፍረሰ ሰላምና እዩ” /ኤፌ 2፡13-15/ ይብሎ። ኣኅዋተይ ተሓጐሱ እስኪ ደስ ይበልኩም ኣምላኽና ናይ ሓድነት ኣምላኽ እዩ። ብስቕለቱ ንሕዝብን ኣሕዛብን ንሰብን መላእኽትን ብዓቢይኡ ድማ ምስ ገዛእ ነብሱ ሓደ ጌርና። ክብሪ ንዕኡ ይኹኖ። 

 እንታይ እሞ! ነዚ ናይ ሓድነት ኣምላኽ እዚ የምልኽ እየ እናበልካን በዓሉ እናኽበርካን፡ ብዓድን ብኣውራጃን ክትፈላለ፡ ደጋፍን ተቓዋምን እናበልካ ብፖለቲካ ኣብ ፈቐዶ ባራትን ጐደናታትን ደምካ ደም ከልቢ ኾይኑ ንብላሽ ክፈስስ፡ እዚ ዝረአ ዘሎስ ምስ ምንታይ እዩ ኽቚጸር? እዚስ ብሓቂ ዳግማይ ስቕለት እዩ። ንሱ ሓደ ንኽገብረካ ደሙ ኣፍሲስልካስ ንስኻ ድማ ንምፍልላይ ክትብል ደምካ ብገዛእ ፍቓድካ ተፍስስ፡ ኦ! ሕዝበ ክርስቲያን እታ መዓልቲ ምድኀን ሕጂ ኢያ እሞ ሎሚ ብምኽንያት እዚ ኵቡር በዓል ንሓድነት ንተንሥእ ብዓድን ብኣውራጃን ምፍልላይ ኔው በልዎ፡ ከምቲ ቕዱስ ጳውሎስ ዝበላና ዓድና ኣብ ሰማይ እዩ እሞ ብምድራዊ ዓዲ ኣይንፈላለ ከምቲ መድኃኔ ዓለም “ኦ ኣቦይ ከምቲ ኣነን ንስኻን ሓደ ዝኾንናዮ እዞም ዝሃብካኒ ኣባና ሓደ ክኾኑ ኵላቶም ሓደ ምእንቲ ክኾኑ እልምነካ ኣለኹ” /ዮሓ 17፡21-23/ እናበለ ብምጽላይ ናይ ሓድነት ኣርኣያ ዝገደፈልና ንሕና ድማ ንደቅና ሓድነት ደኣ እምበር ምፍልላይ ከይነውርሶም ንጠንቀቕ። 

 ነቲ “ኵላቶም ድማ ብሓንቲ ልቢ ኃቢሮም ኣብ ገበላ ሰሎሞን ነበሩ” /ግ.ሓ 5፡12/ ዝብል ናይ ወንጌላዊ ሉቃስ ቃል እሞ ዘክርዎ ከምኣቶም ሓደ ልቢ ንኹን። ቅዱስ ጳውሎስውን ብምፍልላይ ናይቶም ንሱ ዝመሃሮም ክርስቲያን ስለ ዝኃዘነ፡ ንኹልና ዝጠቅም ዓቢይ መንፈሳዊ ምኽሪ ከምዚ እንዳ በለ መኺርና እዩ። “ግናኸ ኣኅዋተየ ኣባኻትኩም ክርክር ከም ዘሎስ ብዛዕባኹም ሰብ ቤት ቀሎኤ ነጊሮምኒ ኣለዉ፡ እዚ ማለት ነፍሲ ወከፍኩም ኣነ ናይ ጳውሎስ እየ ኣነ እባ ናይ ኣጵሎስ ኣነ ናይ ኬፋ ኣነ ናይ ክርስቶስ እየ ከም እትብሉ እዚ እየ ዝብል ዘለኹ፡ ኣኅዋተየ ኵላትኩም ሓደ ዘረባ ክትዛረቡ፡ ብሓደ ልብን ብሓደ ሓሳብን ፍጹም ክትጋጠሙ እምበር ምፍልላይ ከይህልወኩም እምዕደኩም አለኹ” ብምባል ምዒድዎም እዩ /1ይ ቆሮ 1፡10-13/።

  ኣቱም ኣኅዋተይ ካብዚ ቐጺለ ድማ ብዛዕባ በዚ ክቡር ዕለት ዝተፈጸመ  “ዕርቂ” እየ ኸካፍለኩም። ቅዱስ ጳውሎስ ሕጂውን ደጊሙ ““ብመስቀሉ ነቲ ጽልኢ ብእኡ ቐቲሉ፡ ንኽልቲኦም ብሓደ ሥጋ ምስ ኣምላኽ ኣተዓረቖም” ይብለና ሕጂውን ኣብ ገዛና መስቀል ኣሎ ኣብ ክሳድናውን መስቀል ኣሎ ምስ በዓል/ቲ ቤትና ተባኢስና ክዓርቁና ዝመጹ ካህን ውን ኣብ ኢዶም መስቀል ኂዞም ኣለዉ ንዕርቂ ዝኸውን ልቢ ግና ወይከ! ካበይ ይምጻእ? እሞ ንሕናስ ኣሲርናዮ ዘለና መስቀል ጸላእቱ ዲና ዋላስ ፈተውቱ? መስቀል “ዕርቂ” ኽነሱ  ኣነ ግና ምስ ኣኅዋተይ ኣይዕረቕን እናበልኩ ንመስቀል የፍቅር እየ ኢልካ ዓሻ ጠበቓ ኂዝካ ምስ ሕሊናኻ ምክርኻር ኣየዐውትን እዩ። ስለዚ መስቀል ኣሲርካ ይቕረ ዘየብለካስ እንታይ እዩ? ኣዚኻ ስለ ዝተበደልካ ዲኻ? ብርግጽ ዝኾነ ዓይነት በደል ምስቲ ኣል ልዕሊ እቲ ኣንጠልጢልካዮ ዘለኻ መስቀል ኮይኑ ዝግረፍ ዝጽረፍ ጡፍ ዝበሃለሉን ዝኽትከትን ዝነበረ ክርስቶስ ዝወረዶ በደል ክናጻጸር እንከሎ ከንቱ እዩ። ንሱ ግና ከምዚ ናትካ ተበዲለ እየ ተገሪፈ እየ ተጸሪፈ እየ እሞ ንሶም ይቕረ በለልና ይበሉኒ ኣይበለን። እኳ ደኣ “ስለ በደለኛታት ለመነ” /ኢሳ 53፡12/ እዩ ዝብል። ኣታ ኸንቱ ሰብ እሞ ንስኻ ደኣ ካብ ኣምላኽካ ትበልጽ ዲኻ? ወይስ እዚ እኮ እዩ እቲ ምስ ኣቡኡ ኣዲኡ ኣኅዋቱ ሰበይቱ መሣርሕቱ ኣይዕረቕን ዝበለ ክርስቲያን እናተባሃልካ ስም ኣምላኽካን ነቲ ናይ ዕርቂ ምልክት ዝኾነ መስቀል ከተጽርፍ ኢኻ ተንጠልጥሎ ዘለኻ? እስኪ በዚ ክቡር በዓል ንነብስኻ ከምዚ ኢልካ ሕተታ ”ንስኺስ ፈታዊት መስቀል ዲኺ ወይስ መስቀል ዘንጠልጠልኪ ጸላኢት ናይ መስቀል?” 

 ፈታዊት መስቀል እንተ ዄንኪ ደኣ ስለምንታይ ኢኺ ዕርቂ ዝኣበኺ? ነፍሰይ እታ መዓልቲ ምድኀን ሕጂ ኢያ እሞ ንዕርቂ ሎሚ ጽባሕ እናበልኪ ጊዜ ኣይተጥፍኢ፡ ተጻሊእክዮ ዘለኺ በዓል ቤትኪ አቦኺ ኣዴኺ ኃውኺ ኃፍትኺ ዓርክኺ መሓዛኺ ከይተዓረቕኪዮም ሞይቶም ምስ እትሰምዒስ ከተልቅስሎም ዲኺ? እንታይ እናበልኪ ኢኺኸ ክትበኽይሎም፡ እንታይከ ኽጠቅም እዩ ምስ ተፈላለኻ ንብዓት ሓርገጽ ምንባዕ? ስለዚ እዚ ከይመጸ አንከሎ ስለ መድኃኔ ዓለም ስለ እቲ ናይ ዕርቂ ምልከት ዝኾነ ቅዱስ መስቀሉን ቀልጢፍኪ ተዓረቒ “እስኪ ነዚ ዝኅግዘኪ ገለ ቓላት ናይቲ ምስጋና ወላዲት ኣምላኽ ድንግል ማርያም ዝበዝሓሉ ቅዱስ ኤፍሬም ጽን ኢልኪ ስምዒዮ። እዚ ቕዱስ ኣቡ ኣብ ትምህርቱ ከምዚ ኢሉ እዩ ዝጅምር “ኣብ ልዕሊ ብጻይካ እንድኅሪ ተቖጢዕካ ኣብ ልዕሊ እግዚኣብሔር ተቖጢዕካ ኣለኻ ማለት እዩ። ኣብ ልብኻ ቊጥዐ እንተ ዓቝርካ ድማ ኣብ ልዕሊ እግዚአብሔር ኣዲምካ ኣለኻ ማለት እዩ ተቘጢዕካ ከለኻ ኣብ ቅድሚ እግዚአብሔር እንተ ጸለኻ  ትላገጽ ኣለኻ ማለት እዩ ብኸንቱ ቃላት ትመላለስ ከም ዘለኻ ልብኻ ይምስክረልካ፡ ብጸሎትካ ዋላ ሓደ ከም ዘይትረክብ ድማ ሕልናኻ ይፈርድ ኣሎ፡ ክርስቶስ ኣብ ጊዜ ስቕለቱ ነቶም ሰቐልቱ ጸልይሎም፡ ንስኻ ሓመድ ክነስኻ ግና ብቑጥዐ መሊእካ ኣለኻ ውግእ ክትእውጅ ትደሊ እንተለኻ ግና ሰይጣን ኣማኻሪኻ ኮይኑ ኣሎ ማለት እዩ። ኺትቊጣዕ እንተ ደሊኻስ ኣብ ልዕሊ ኣጋንንቲ ተቖጣዕ ኣብ ልዕሊ ኃውኻ ተቖጢዕካ እንከለኻ ክትጽሊ ትደፍር ዲኻ? ቊጠዐኻ ኅደግ እሞ ጸሊ፤ ብደም እግዚአብሔር ተዓዲግካ ኢኻ፡ ክርስቶስ ብመከራኡ ኣድኂኑካ  ንስኻ ንኃጢኣትካ ምዉት ምእንቲ ኽትከውን ንዓኻ ክብል ሞይትልካ እዩ። ከባጭውልካ ኸለዉ ምእንቲ ኸይተባጩ ምራቕ ተዓጊሡ እዩ። ንቚጥዓ ምእንቲ ኺትዕገሥ ድማ መሪር ሓሞት ሰትዩ እዩ። መከራ ንምቕባል ምእንቲ ኸይትፈርህ  ኢሉ መከራ ተቐቢልልካ እዩ። ናይ ብሓቂ ኣገልጋሊ እንተ ደኣ ዄንካ ነቲ ቕዱስ ጐይታኻ ፍራህ ንእኡውን ምሰል። ሓቀኛ ወደ መዝሙር እንተ ዄንካ ድማ ብኣሠረ ፍኖት ጐይታኻ ተጓዓዝ። ፈታዊ ክርስቶስ ንኽትከውን ካብ ኃውኻ ንዝወርደካ ላግጺ ተዓገሥ። ካብ መድኃኒኻ ንኸይትፍለ ኣብ ልዕሊ ሰባት ቊጥዓ ኣይተርኢ”።

  ኣኅዋተይ ናይ መድኃኔ ዓለም ነገር ብኣይ ብድኹም ኃውኹም ተገሊጹን ተዘርዚሩን ዝውዳእ ኣይኮነን እሞ እንዳወዳእኩ እየ። ኣቱም መንእሰያት ኣኅዋተይ ነዛ ናይ ጥበበኛ ሰሎሞን ጥቕሲ እንተ ኣካፈልኩኹምሲ ብዙኅ ኪትጠቕመኩም እያ እሞ ናብኣ ዶ ኺኃልፍ? እቶም ጥበበኛታት እኳ “መርሓባ” ኢልኩም ከም እትምልሱለይ ፍሉጥ እዩ። እቶም ከምዚ ኸማይ መንፈሳዊ ጥበብ ዘይተዓደልኩም ድማ  እግዚአብሔር ጥበቡ ይዓድለና እናበልኩ እታ ጥቕሲ ኬንብበልኩም እየ እሞ ጽን ኢልኩም ስምዑኒ። እታ ጥቕሲ ከምዚ ኢያ ትብል “ክፉእ መዓልታት ከይመጸ ባህ ኣይበለንን እትብለሉ ዓመታት ከኣ ከይቀረበ እንከሎ ኣብ ጊዜ ንእስነትካ ፈጣሪኻ ዘክር” ኢያ ትብል/መክ 12፡1/ ። 

 ለካ እታ መዓልቲ ምድኃንሲ ሕጂ ገና ብንእስነትና ኢያ እምበር ከምቲ ሰይጣን ዝሰብከና ቤተ ክርስቲያን ምስ ኣረግካ ኣይኮነን ዘድሊ፡ ለካ ጾምን ጸሎትን ስግደትን ዝማሬን ምስጋናን ኣብ ጊዜ ንእስነትካ እዩ ዳንኤል ሚሳኤል ኣናንያ  ኣዛርያ ስለ ሃይማኖቶም ክብሉ ኣብ ዓዲ ስደት ጾም ዝኣወጁ እኮ መንእሰያት እምበር ኣረግቶት ኣይነበሩን /ትን ዳን 1፡10/፡ ዝበዝኁ ሓዋርያት መንእሰያት ከም ዝነበሩ ኸ ንኽሕዶ ዲና ናይ ይስሓቅ ተኣዛዝነት ናይ ቅዱስ ቂርቆስ ሰማዕትነት ናይ ሰሎሞን ቅድስናን ንግሥናን እኮ ካብ ንእስነቶም ዘጥረይዎ እምበር ምስ ኣረጉ ኣይነበረን። 

 ኣኅዋተይ ሰለምንታይ ደኣ እዩ ሎሚ ብንአእስነትካ ቤተ እግዚአብሔር ምምልላስ ዘኅፍረና ስለ ምንታይ ደኣ እዩ ብንእስነትካ ጾምን ጸሎትን ንስሓን ቊርባንን ዘኅፍረና? ከኅፍረና ዝግብኦስ ነቲ ብገዛእ ደሙ ዝዓደገካ ኣምላኽ ገዲፍካ ክብርኻን ግርማኻን ኣብ ዝቕንጠጠሉ ተግባራት ዝሙትን ስኽራንን ሓሜትን ቤተ መንግሥቲ ዲያብሎስ ምቕያርና እዩ። ኣኅዋተይ ናይ ኣረማውያን ሥራሓት ዝኾኑ ጓይላን ዳንኬራን ዓሌትነትን ምፍልላይን ተኣሲርካ ብምውዓልና ደኣ ንኅፈር።

 ኣንቱም ኣቦታተይን ኣዴታተይን ነቶም በዛ ሎሚ መዓልቲ ንመድኃኔ ዓለም ኣብ መስቀል ሰቒሎም ሥጋኡ ቆሪሶም ደሙ ኣፍሲሶም ብኡኡ ግና ከይድኃኑ ኣብ ቀራንዮ ገዲፎምዎ ዝኸዱ ጨካናት ኣይሁድ እሞ ዘክርዎም፡ ንሕናውን እኮ ዘመናውያን ኣይሁድ ኢና ተቐይርና ዘለና፡ ምኽንያቱ ናይ መድኃኔ ዓለም ቅዱስ ሥጋኡን ክቡር ደሙን ሎሚውን ኣብዛ ናይ ቀራንዮ ምሳሌ ዝኾነት ቤተ መቕደስ ቆሪስና ካብኡ ከይበላዕናን ከይሰቴናን ሕቖና ሂብናዮ ንገዛና ምምላስና ብሓቂ ምስኦም እዩ ዘደምረና። መኣስ ኢና ደኣ ክንሳሕ መኣስ ኢና ኽንቆርብ እቲ ቐደም ምስ ኣረግና ዝብል ምኽንያት ነይሩ ሕጂኸ እንታይ ከነመኽኒ ኢና? ወይስ ኣፈርክቡ ምስ ተባህለ ከምቶም ኣፎም ተመንጊጎም ንምቑራብ ዕድል ዝረኸቡ እንተ ረኸብና እዩ? ኣይፋሉን እታ መዓልቲ ድኅነት ሕጂ እሞ ኣቦታተይን ኣዴታተይን ኣኅዋተይን ናብታ ናይ ዕረፍቲ ቦታ ንምአታው ንቀዳደም።

ምስጋና ንአብ ንወልድን ንመንፈስ ቅዱስን ንዘለዓለም ዓለም ኣሜን።

No comments:

Post a Comment