bieteelyas.blogspot.com ቤተ ኤልያስ

Tuesday 28 February 2017

ትምህርተ ጾም ዘኦርቶዶክስ 10ይ ክፋል

ምጽዋት ብቕዱስ ዮሓንስ ኣፈወርቅ

እዞም ደቀይ! ነታ በዚ ጊዜ እዚ ኪትኃልፍ እያ (ኪትጠፍእ እያ) ተባሂሉ ዘይንገረላ ርስቲ መንግሥተ ሰማያት ንምውራስ ነቒሕናን ተጊህናን ትሩፋት ንኽንሠርሕ እልምነኩም ኣለኹ። ካባና ኣብ ሓንቲ ኪትፈርስን ኪጥጠፍእን ዝተቓረበት ከተማ ኸይዱ ገዛ ዝሠርሕ መን ኣሎ፧ እስከ ንገሩኒ! ሓደ ሰብ መጺኡ “እዛ ኸተማ እዚኣ ድኅሪ ሓደ ዓመት ኪትጠፍእ እያ፡ እከለ ዝተባህለት ከተማ ግና ፈጺማ ዘይትጠፍእ ዘለዓለማዊት እያ” እንተዝብለኩም፡ ኣብታ ድኅሪ ሓደ ዓመት ትጠፍእ ከተማ ኼድኩምዶ ገዛ ትሠርሑ ኢኹም፧ ብፍጹም! በሉ ንሕና ድማ ኣብዛ ኃላፊት ምድሪ ንዘለዓለም ከም ንነብር ጌርና ኣይንሕሰብ። ምኽንያቱ ንሳ ቊሩብ ጸኒሓ ኪትፈርስ እያ፡ ኣብ ውሽጣ ዘሎውን ኵሉ ኪፈርስ እዩ።

 እዞም ደቀይ! ንምንታይ ኢና ገዛና ኣብ ልዕሊ ሑጻ ንሠርሕ፧ ገዛናስ ኣብ ልዕሊ ኸውሒ ደኣ ንሥራሕ፡፡ እዚ ኣብ ልዕሊ ኸውሒ ዝተሠርሐ ገዛና፡ ምቅጻል ሓዊ ይኹን ናይ ጸላኢ ምምጻእን ናይ ሸፋቱ ኢድን ኣየጥፍኦን እዩ። ኣብ ከውሒ ዝተሠርሐ ገዛ ካብዞም ኵሎም ሓደጋታት እዚኣቶም ናጻ እዩ።
 እዞም ደቀይ! ኣብዚ ዓለም ኣብ ንሠርሖ ገዛ፡ ገንዘብ ምስራቕ ኣሎ፡ ክዳን ምግፋፍ ኣሎ፡ ጽልእን ክርክርን ኣሎ። ኣብዚ ዓለም ኣብ ንሠርሖ ገዛ ብዙኅ ኃዘንን ምስቊርቋርን ኣለዎ።

 ኣብቲ ላዕለዋይ ቤትና (ኣብ መንግሥተ ሰማያት) ግና እዚ ዅሉ የልቦን። ማዕጾ ሰቢሩ ገንዘብ ዝሰርቕ ጸላኢ የልቦን። ሞተ ሥጋ ሞተ ነፍስ የልቦን። ገንዘብ ዝዝርፍ ክዳን ዝገፍፍ የልቦን። ኣብኡ ናይ ጻድቃን ሓድነት ጥራይ እዩ ዘሎ። ጻድቃን ኣብ ዘለዎ ድማ ተድላ ደስታን ብፅዕናን ኣሎ። መንግሥተ ሰማያት ንዘለዓለም ጸኒዓ ስለ ትነብር ኅልፈትን ጥፍኣትን የብሎምን። በዓል ቤታ (ዋናኣ) ኣይነዋወጽን ኣይለዋወጥን እዩ። ኣብኣ ዝኃልፍን ዝጠፍእን የልቦን። ኵሉ ካብ ኅልፈት ዝረሓቐ እዩ።

 ስለዚ እዞም ደቀይ! ዘለና ገንዘብ (መዋእለ ንዋይና) ኣብዛ ቤት እዚኣ ነፍስሶ። ነዛ ቤት እዚኣ ንምሥራሕ ነዳቖን ካልኦት ሓነፅትን ኣየድልዩናን እዮም። ነዛ ቤት እዚኣ ኪሠርሑ ዝኽእሉ ናይ ነዳያን ኣእዳው እዮም። ነዛ ቤት እዚኣ ኪሠርሑ ዝኽእሉ፡ ሓንካሳትን ሕሙማትን እዮም። ነዛ ቤት እዚኣ (ንመንግሥተ ሰማያት) እዚኣቶም ዝሓንፁልና ምዃኖምን ከምኡውን ኣብ እግዚኣብሔር ዓቢይ ክብርን ተፈታውነትን ዘምጽኡልና ምዃኖምን ኣይትደነቑ። ምኽንያቱ ምጽዋት ከምዚ ዝበለት ፍጽምቲ ሥራሕን ነቲ ዝሠርሓ (ዝምጽውት) ሰብ ድማ ሓላዊቱን እያሞ ኣይትደነቑ። ምጽዋት ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ኣዝያ ዝተፈተወት ስለ ዝኾነት ኣይትደነቑ። ኵሉ ጊዜ ናብ እግዚኣብሔር ቀረባ እያ። ንዝፈትዋ ሰብ ድማ ሥርሑ ምእንቲ ኪሳለጠሉ ኣማላዲት እያ። ብፍላይ ድማ ከይሰረቕናን ከየደናገርናን ምስ ንገብራ ተማልደልና እያ። ስለዚ ዘይተሰረቐት እንተኾይና ነቲ ዝምጽውት ሰብ ተርብሖ ፍጹም ክብሪ ኸም ዝረክብ ድማ ትገብሮ። ብኃጢአት ንዝጭነቑ ኣጋንንቲ ንዘሳቕይዎም ሰባት ተማልደሎም። ናይ ሲኦል ማእሰርቲ ትበጣጥስ፡ ንጸልማት ድማ ተርሕቕ እያ። ነቲ እሳቱ ዘይጠፍእ ዝተባህለ (ገሃንመ እሳት) ተርሕቖ። ካብቲ ሓሰኻኡ ዘይድቅሱ ዝተባህለ (ገሃንመ እሳት) ተትርፎ እያ። ኣስናን ምሕርቃም ተርሕቕ። ናይ መንግሥተ ሰማያት ደገ ትኸፍት።

 ንግሥቲ ናብ ሕልፍኝኣ ኪትኣቱ እንከላ፡ ካብቶም ሓለውቲ “ንስኺ መን ኢኺ፧ ካበይከ መጺኺ፧” ኪብልዋ ከም ዘይከኣሎም፡ እኳ ደኣ ደስ ኢልዎም ከም ዝቕበልዋ፡ ምጽዋት ድማ ከምኡ እያ። “ከምቲ ኣቦኹም ርኅሩኅ ዝኾነ፡ ንስኻትኩም ድማ ርኅሩኃት ኩኑ” ተባሂሉ ከም ዝተጻሕፈ (ሉቃ 6፡36) ብሓቂ ንልዑል እግዚኣብሔር ንኽንመስል ትገብር፡ ዝኸበረት ንግሥቲ እያ። ምጽዋት “ኣብ ማእከል መጓሰ እንተ ሓደርኩም፣ ከም ኣኽናፍ ርግቢ ብብሩር፣ ክንቲታውን ብዜንጸባርቕ ወርቂ እተለበጠ ትዀኑ” ከም ዚብል፡ ምጽዋት ከም ናይ መልኣኽ ቅልጣፈ ትቕልጥፍ። (መዝ 67፡13) ከምታ ብወርቅን ብሩርን ዘጌጸት ርግቢት ድማ ብዓይኒ ርኅራኄ ትርኢ። ከም ናይ ምጽዋት ዝመስል ኣዝዩ ዝተፈተወን ዝጸበቐን ዓይኒ የልቦን። ጣውስ (peacock) ዝተባህለት ዑፍ ኣዝያ ጽብቕቲ ዝተፈተወት ዑፍ እያ። ምስ ምጽዋት ተናጻጺራ ግና ጣውስ ክፍእቲ እያ። እዛ ዑፍ እዚኣ (ምጽዋት) ግና ኣድናቖት ዝግብኣ ዑፍ እያ። ኵሉ ጊዜ ክሳዳ ኣቕኒዓ ሰማይ ሰማይ እያ ትርኢ። እግዚኣብሔር ብዝፈጠረላ መልክዕን ጽባቐን ኣጊጻ እያ ትነብር። ብናይ ወርቅን ብሩርን ክንፊ ዘጌጸት ድንግል እያ። ንፍርዲ ኣብ ንቖመሉ ጊዜ፡ ኣብቲ ግሩም ዝኾነ ናይ ጐይታ ዝፋን ኣብ ንቖመሉ ጊዜ ብሃንደበት ኪትግለጽ እያ። ናይ ገሃንም ስቓይ ንከይረኽበና ድማ ብኣኽናፋ ጌራ ተውፅኣና። እግዚኣብሔር ካብ መሥዋዕቲ ንላዕሊ ንኣኣ ይፈቱ። ብዛዕባኣ ድማ እዩ ኣብዚኁ ዝመሃረ። ስለዚ ኣብዚኁ ድማ ይፈትዋ። ክቡር ልዑል ከሎ ብስማ ይጽዋዕ። (መዝ 146፡9) ብስማ ርኅሩኅ ዕጉሥ ይበሃል። (መዝ 145፡8) ብስማ ብሓቂ ይቕሬታኡ ዝበዝኀ እዩ ይበሃል /ሮሜ5፡10። ሰማዕትነት ኣየምልጥኩምን ካልኦት ካብ ትብል መጽሓፍ ካብ ገጽ 60 ዚተወስደ/።

Monday 27 February 2017

ትምህርተ ጾም ዘኦርቶዶክስ 9ይ ክፋል

በእንተ ምጽዋት


ኣብ ላዕሊ ከም ዝረኣናዮ ኣብዛ ካልኣይቲ ሰንበት ናይ ጾም ኣርብዓ፡ ጐይታና ካብ ዝመሃረና ትምህርቲ ብዛዕባ ምጽዋትውን ብዙኅ መንፈሳዊ ሃብቲ ረኺብና ኢና። ቅዱስ ዳዊት ኣብ /መዝ 41፡1-3/ “ንድኻ ዚሓልየሉ ብፁዕ እዩ እግዚአብሔር ብመዓልቲ መከራ የናግፎ፡ እግዚአብሔር ይሕልዎ ብሕይወትውን የንብሮ ንሱ ኣብ ምድሪ ብፁዕ ይኸውን። ናብ ፍቓድ ጸላእቱ ኣይተኅልፎን ኢኻ” ብምባል ብምጽዋት ዝርከብ ብፅዕና ነጊሩና ነይሩ። ጐይታና ዝምህረና ኵሉ ትምህርቲ ካብ ኃጢአት ናጻ ዄንካ ካብ ምረረ ገሃንም ኪንድኅንን ሰማያዊት መንግሥቱ ድማ ንኽንወርስን እዩ። ምጽዋት ብዙኅ ኃጢአት ኪትድምስስ ስለ እትኽእል ድማ እዩ ብዛዕባ ምጽዋት ዝመሃረና። ነቢይ ዳንኤል ነቲ ኣብ ኃጢአት ወዲቑ ዝነበረ ንጉሥ፦ “ስለዚ ኦ ንጉሥ ምኽረይ ስማዕ ንኃጢኣትካ ብጽድቂ ንኣበሳኻ ድማ ንድኻታት ብምምጽዋት ኣትርፍ” /ዳን 4፡27/ ብምባል ዝተዛረቦ ድማ ምጽዋት ከመይ ኢላ ኣበሳ ከተርሕቕ ከም እትኽእል ዘነጽረልና ቃል እዩ።

 “ኣነ ዚፈትዎ ጾምሲ ንማእሰር እከይ ምፍታሕ ንማእሰርቲ ኣርዑት መዝላቕ ንጥቑዓት ምውፃእ ሓራ..እንጌራኻ ንጥሙይ ኪትመቅል እተሰዱ ድኻታት ናብ ቤትካ ከተእቱ ዕሩቓት ርኢኻ ክትከድኖም ካብ ሥጋኻ ውን ከይትኃብእዶ ኣይኮነን” (ኢሳ 58፡ 7-11) ዝብል ብነቢይ ኢሳይያስ ዚተሰበኸ ቃል እግዚአብሔር ጐይታ ሠራዊት ከኣ፡ ነዛ ብስስዕቲ ተመሊኣ ዝኣከበቶ ገንዘብን ንብረትን ቅሳነት ከሊእዋ ዘሎ ነፍስና ምጽዋት ንድኻታት ብምሃብ ዕረፍቲ ከም ትረክብን ንእግዚአብሔር ደስ ከም እተብልን ይገብራ። ጥበበኛ ሰሎሞን “እቲ ንድኻ ዚርኅርኃሉ ንእግዚአብሔር የለቅሖ፡ ንሱ ውን ንሠናይ ግብሩ ኪፈድዮ እዩ” ብምባል ዚተዛረቦ ቃል ድማ ምጽዋት ኣብ መወዳእታ ፍርዲ ኣንታ ብሩኽ ወደይ ኣንቲ ብርኽቲ ጓለይ ጠምየ ዘብላዕኩምኒ ጸሚአ ዘስተኹምኒ ዓሪቐ ዝኸደንኩምኒ ንዑ! ንዑ ናባይ ኣብ የማነይ ኵኑ፡ ኣንቱም ብሩኻት ደቀይ ናብ ናይ ዕረፍተይ ቦታ እተዉ ዝብል ዋጋ ከም ዘውህብ የረጋግጸልና (/ምሳ 19፡17) 22፡9/።

 “እንጌራኻ ኣብ ልዕሊ ማይ ደርብዮ ከመይሲ ድኅሪ ብዙኅ መዓልታት ኪትረኽቦ ኢኻ” /መክ 11፡1/ ዝብል ናይ ሰሎሞን ቃል ከኣ፡ ምጽዋት ብኸመይ ኣገባብ ኪትከውን ከም ዘለዋን፡ ዋጋ ከም እተውህብን ዋጋኣ ድማ ኣብ መወዳእታ ኣብ ጊዜ ፍርዲ ከም ዝኾነን ይምህረና። ኣብ ልዕሊ ማይ ዝተደርበየ እንጌራ ይትረፍዶ ድኅሪ ብዙኅ ዘመን ድኅሪ ቊሩብ ደቓይቕውን ኣይትርእዮን ኢኻ፡ ማይ ዚተመሰለ ከብዲ ድኻታት ሓንካሳትን ሕሙማትን እዩ። ንኣኣቶም ኪትምጽውት ከለኻ ብኅቡእ ሃብ ማለቱ እዩ። ኣብ ማይ ዚደርበኻዮ እንጀራ ድኅሪ ብዙኅ ዘመን ይትረፍ ድኅሪ ቊሩብ ደቓይቕውን ኣይትረኽቦን ኢኻ፡ ንስኻውን እንጀራኻ ምጽዋትካ፡ ናብቶም ኪመልሱልካ ዘይክእሉ ነዳያን ኣውዕሎ፡ ድኅሪ ብዙኅ ዘመን ማለት ኣብ ጊዜ ፍርዲ ግና እንጀራኻ ማለት ዓስቢ ናይ ምጽዋትካ ካብቲ ዘለቃሕካዮ እግዚአብሔር ኪትረኽቦ ኢኻ /ማቴ 25፡31-46። ጐይታና ኣብ /ማቴ 6፡1-4/ “እቲ ብሥዉር ዝርኢ ኣቦኻ ብጋህዲ ኪህበካ እዩ” ብምባል ዚተዛረቦ ድማ ነዚ ዘረጋግጽ እዩ።

ትምህርተ ምጽዋት ብሊቃውንተ ቤተ ክርስቲያን

 ቅዱስ ፖሊካርፐስ፦ “ጽቡቕ ነገር ንምግባር ኣብ እትኽእልሉ ኵነታት ኪትኮኑ እንከለኹም ጊዜ ኣይትውሰዱ፡ ምኽንያቱ ምጽዋት ካብ ሞት ተውፅእ እያ”

 ቅዱስ ዮሐንስ ኣፈወርቅ፦ “ኣብ ቅድሚ ክርስቶስ ክብሪ ንምርካብ ከም ምጽዋት ገይሩ ዚጠቅም ነገር የልቦን ናይ ምምጽዋት ሕይወት ዓቢይ ናይ ተጋድሎ ሕይወት እዩ። እዚ ድማ ምጽዋት ካብ ንጹሕ መዝገብ ዝወፀ ምስ ዝኸውን እዩ። ንጹሕ ካብ ዘይኮነ መዝገብ ዝወፅእ ምጽዋት ግና ከምቲ ካብ ጭቃ ዝፍልፍል ወሓዚ ማይ እዩ። ብኣገባብ ካብ ዝተረኽበ መዝገብ ዝወፀ ምጽዋት ድማ ካብ ገነት ከም ዝፈልፈለ ጽሩይን ነቲ ብመራር ፀሓይ ዝነደደ ሰብ ምስ ሃብካዮ ከም ዘርውዮን ደስ ከም ዘብሎን ሓቒቕ ዝኾነ ምንጪ ማይ እዩ። ምጽዋት ኣብ እግዚአብሔርን ኣብ ሰብን ተፈታውነትን ክብርን ካብ ኵሉ ሰብ ጽቡቕ ትርኢት ዘርክብ፡ ልዕሊ ዅሉ ድማ እግዚአብሔር ዝኸብረሉ ተግባር እዩ። ከምኡውን ምጽዋት ኃጢኣት ይድምስስ እዩ።…. ምጽዋት ናይ እሳት ባሕሪ የጥፍእ፡ ነቲ ዘይታኸስ ሓሰኻውን ኣፉ ይዓጽዎ።ማር 9፡44 ምጽዋት ዝምጽውት ሰብ ኣስናኑ ኣየሐርቅም እዩ።

 ማር ይስሐቅ፦ “ዝራዕ ምጽዋተ በትሕትና ወተዓርር በጊዜ ፍዳ “ምጽዋትካ ብትሕትና ዝራእ ኣብ ጊዜ ፍርዲ ድማ ይቕሬታ ኪትረክብ ኢኻ”

 ቅዱስ ቆጵርያኖስ፦ “ሕይወት ዚህብ ማየ ጥምቀት ነቲ ናይ ገሃንም ሓዊ ከም ዘጥፍኦ፡ ብምጽዋትን ጽድቂ ብምሥራሕን ድማ ናይ ኃጢአት ሓዊ ይጠፍእ። ብጥምቀት ሥርየተ ኃጢኣት ሓንሳብን ንሓዋሩን፡ ዝወሃብ ስለ ዝኾነ ናይ ጥምቀት ኣርኣያ ብምኽታል ብዘየቋርጽ መንፈሳዊ ተጋድሎን ሠናይ ተግባርን ብምግባር ጽሙዳት ብምዃን ምሕረት እግዚአብሔር ኣብ ልዕሌና ከም ዝወርድ ይገብር…።

 ቅዱስ ቄርሎስ ዘኢየሩሳሌም፦ “ብፍላይ ድማ ነቲ ናይ ክፉኣት መናፍቓን ጉባኤ ተጸየፎ፡ ምሳታቶም ኅብረት ንኸይህልወካ ተጠንቀቕ። ብማንም መንገዲ ይኹን ብጾም ብጸሎት ብምጽዋት ናይ እግዚአብሔር ቅዱስ ቃል ብምንባብ ነፍስኻ ንጽሕቲ ከም እትኸውን ድማ ግበራ..”

Friday 24 February 2017

ትምህርተ ጾም ዘኦርቶዶክስ 8ይ ክፋል

ቅድስት ማቴ 6፡16-25

ናይ ዓቢይ ጾም ካልኣይ ሰንበት “ቅድስት” ይበሃል። ስያሜኡ ናይ ቅዱስ ያሬድ ኮይኑ፡ ኣርእስቲ ናይዚ ትምህርቲ ናይ ጾመ ዱጋ መኽፈሊ ኮይኑ ዝጽውዓሉ ስም እዩ፡ ካብ ቅድስት ሰኑይ ጀሚሩ ክሳዕ ጾመ ዐርብዕ ዘሎ ጾመ ኢየሱስ ይበሃል። ካብዛ ሰኑይ እዚኣ ጀሚርና ንእግዚአብሔር ምግዛእን ምስጋን ምእንቲ ኺንክእል ንእግዚአብሔር ኺንቅደስ ስለ ዝግብኣና፡ ቤተ ክርስቲያን ቅድስና ትምህር። ነዚ ድማ ኣብ መዝሙራን ኣብ ኵሉ ቅዳሴኣን ቅድስና ዚተመልኡ ቓላት መሊኦም ኣአለዉ። ኣብዚ መዓልቲ እዚ ብዛዕባ ክብሪ ናይ ሰንበትን ብዛዕባ ምሕረት እግዚአብሔርን ይዝመር። ኣብ ጊዜ ቕዳሴ ዚንበቡ መጻሕፈቲውን ብዛዕባ ቕድስና ዚምህሩ እዮም።

ናይ ዕለቱ ናይ ቅዱስ ያሬድ መዝሙር ኣርእስቲ

ግነዩ ለእግዚአብሔር ወጸውኡ ስሙ (ንእግዚአብሔር ኣመስግኑ ስሙ ኸኣ ጸውዑ)

ኣብ ጊዜ ቕዳሴ ዚንበቡ ክፍልታት ናይ መጽሓፍ ቅዱስ

1ይ ተሰ 4፡1-13 ዲያቆን (ገባሬ ሠናይ)
1ይ ጴጥ 1፡13- ፍጻሜ ዲያቆን (ንፍቅ)
ግ.ሓ 10፡7-30 ካህን ተራዳኢ

ምስባክ

እግዚአብሔርሰ ሰማይተ ገብረ
ኣሚን ወሠናይት ቅድሜሁ
ቅድሳት ወዕበየ ስብሐት ውስተ መቅደሱ

እግዚአብሔር ግና ሰማያት ገበረ
ምስጋናን ጽባቐን ኣብ ቅድሚኡ እዩ
ግርማን ቅድስናን ኣብ መቕደሱ እዮም /መዝ 96፡5/።
ወንጌል ማቴዎስ 6፡16-25 ካህን 
ቅዳሴ፦ ኤጲፋንዮስ (ዓቢይ)

ስብከት ቴዎስ 6፡16-25

“ክትጸሙ ኸሎኹም፡ እቶም ግቡዛት፡ ጸወምቲ ምዃኖም ብሰብ ምእንቲ ኺርኣዩ፡ ገጾም የጸምልዉ እዮም እሞ፡ ከማታቶም ጽምልዋት ኣይትኹኑ። ዓስቦም ከም ዝወሰዱ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ” /16/

ውዳሴ ኸንቱ ዓስቦም ከም ዝተቐበሉ፡ ሰማያዊ ዋጋኦም ከም ዝሰኣኑ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ።

/17/ “ንስኻትኩም ግና ክትጾሙ ከሎኹም ርእስኹም ተቐብኡ ገጽኩም ተሓጸቡ” 

መግለጺ
ቀዳማይ፡ ዝተቐብአን ዝተሓጽበን ጸቢቑ ከም ዝርአ፡ ንስኻትኩም ከኣ ከም ዝጾምኩም ኣይትፈለጡ ኢኹም።

ካልኣይ፡ ርእስኹም ተቐብኡ ማለት ብፍቕሪ ብትሕትና ዄንኩም፡ ገጽኩም ተሓጸቡ ማለት ድማ ብንጽሕና ዄንኩም ጹሙ።

“ቅብእ ኢይርኅቀ ቅብእሰ ፍቅረ ደቂቀ እጓለ እመሕያው ውእቱ”፡ ቅብኢ ኣይርሓቕካ ቅብኢ ተባሂሉ ዘሎ ፍቕሪ ደቂ ሰብ እዩ፡ ከም ዝበለ ዮሓንስ ኣፈወርቅ 28 ክፍሊ ተግሣጽ። 

/18/ “እቲ ኅቡእ ዝፈልጥ ኣቦኹም እንተዘይኮይኑ ከም ዝጾምኩም ሰብ ከይፈልጥሲ ርእስኹም ተቐብኡ ገጽኩም ተሓጸቡ” 

መግለጺ
ቀዳማይ፡ እዝኸ ኣብ ዓቢይ ጾም ድዩ ወይስ ኣብ ናይ ፍቓድ ጾም እንተ በልና፡ ኣብቲ ብፍቓድካ ትጾሞ ጾም ደኣ እምበር ኣብ ዓቢይ ጾምሲ ውዳሴ ኸንቱ የብሉን።

ካልኣይ፡ ኣብ ከተማ ድዩ ኣብ ገዳም እንተ በልና ኣብ ከተማ ደኣ እምበር ኣብ ገዳም ውዳሴ ኸንቱ የልቦን። ንኣብነት ነቢይ ዳንኤል ንበይኑ ኾይኑ ክጸውም ከሎ፡ በቲ ጊዜ እቲ ኣነ ዳንኤል ሠለስተ ሰሙን ምሉእ ኀዚነ ነበርኩ፡ እተን ሠለስተ ሰሙን ክሳዕ ዝውድኣ ጥዑም መባልዕ ኣይበላዕኹን፡ ሥጋን ወይንን ኣብ ኣፈይ ኣየእተኹን ዘይቲውን ኣይተለኼኹን” በለ ዳን 10፡2-3/።

 እቲ ብኅቡእ ክትጾሙ ከለኹም ብሥዉር ዝርእየኩም ኣቦኹም ድማ ብግልጺ ክፈድየኩም እዩ፡ ማለት ኣብ ቅድሚ መላእኽትን ኣጋንንትን፡ ኣብ ቅድሚ ጻድቃንን ኃጥኣንን ዋጋኹም ኪኸፍለኩም እዩ።

አንቀጸ ምጽዋት

/19/ “ቀዳማይ ንኣኻትኩም ዝበልን ዝጠፍእን ኣብ ምድሪ ሃብቲ ኣይትደልቡ፦
መግለጺ፦ አንቀጸ ጸሎትን ጾምን ኣብ ማእከሉ ኣእትዩ ስለ ዝነበረ ናብ አንቀጽ ምጽዋት ተመልሰ።
ብልዕን ነቐዝን ኣብ ዘበላሽዎ ሰረቕቲ ኲዒቶም ኣብ ዝሰርቁዎ ንኣኻትኩም ኣብ ምድሪ ሃብቲ ኣይትደልቡ።

ሓተታዊ መግለጺ፦ 
1. እኽሊ ኮነ ገንዘብ ኣብ ምድሪ ደሊብካ ምቕማጥ ንፍገት እዩ።
2. ገንዘብ ምድላብ ነቲ ብዝናብ ዘብቊሉ፡ ብፀሓይ ኣብሲሉ ዝምግብ ኣምላኽ ክሒድካ ኣብ ገንዘብ ምትእምማን እዩ።
3. ገንዘብ ምድላብ ቅርጺ ኣካላት እኳ እንተ ዘየውፃእኻሉ፡ ምምላኽ ጣዖት እዩ ዝቚጸር፡ ይብል ዮሓንስ አፈወርቅ 20 ክፍሊ ተግሣፅ ስለዚ ንኣኻትኩም እኽሊ ኣይትደልቡ በለ /1ይ ጢሞ 6፡17-19/።

/20/ ንኣኻትኩም ዘይበልን ዘይጠፍእን ኣብ ሰማያት ደኣ ሃብቲ ደልቡ፦ ብልዕን ነቐዝን ኣብ ዘየበላሽዎ ሰረቕቲ ኵዒቶም ኣብ ዘይሰርቅዎ ኣብ ሰማያት ደኣ ሃብቲ ደልቡ።
/21/ ከመይ ሃብትኹም ኣብ ዘለዎ ልብኹም ኣብኡ ይነብር እዩ።

ካልኣይ ውዳሴ ኸንቱ ዘለዎ፦ ኣጋንንቲ ብውዳሴ ኸንቱ ዘባኸንዎ ምጽዋት ኣይትመጽውቱ፡ ከመይ ምጽዋትኩም ኣብ ዘለዎ ልብኹምውን ኣብኡ ኣሎ።

/22/ ናይ ኣካል መብራህቲ ዓይንኻ እዩ፦ ስለዚ ዓይንኻ ብሩህ ጥዑይ እንተ ደኣ ኾይኑ ብዘሎ ኣካልካ ብሩህ ይኸውን፡ ዓይንኻ ሕሙም እንተ ደኣ ኾይኑ ግና ብዘሎ ኣካልካ ጸልማት ይኸውን።

/23/ ቀዳማይ እምበኣረከስ እቲ ኣባኻ ዘሎ ብርሃን ጸልማት ካብ ኮነ፡ ምጽልማቱስ ክንደይ ኮን ክብርትዕ እዩ፡ እቲ ዝሓመመ ዓይንኻ ከመይ ኢሉ የርእየካ።

ካልኣይ፦ ናይ ኵሉ ሥራሕካ መራሒ ኣእምሮኻ እዩ፡ ኣእምሮኻ ቅኑዕ እንተ ደኣ ኾይኑ ኵሉ ሥራሕካ ቅኑዕ ይኸውን። ኣእምሮኻ ጐደሎ እንተ ደኣ ኾይኑ ግና ኵሉ ሥራሕካ ዘይቅኑዕ ይኸውን፡ ኣእምሮኻ ጐደሎ ኻብ ኮነ ፍዳኡ ከመይ ኮን ኪኸውን እዩ፧ እዚ ጐደሎ ኣእምሮኻ ከመይ ኢሉ የኽብረካ፧

/23/ ሣልሳይ፡ ናይ ኵሉ ተግባር መምርሒ ምጽዋትካ እዩ፡ ምጽዋትካ ከንቱ ውዳሴ ዘይብሉ እንተ ደኣ ኾይኑ ኵሉ ተግባርካ ቅኑዕ ይኸውን፡ ምጽዋትካ ከንቱ ውዳሴ ዘለዎ እንተ ደኣ ኾይኑ ኵሉ ተግባርካ ዘይቅኑዕ ይኸውን።
ምጽዋትካ ከንቱ ኻብ ኮነ ከመይ ኢሉ መጽደቒ ይኾነካ፧

/24/ስለዚ ንሕይወትኩም ብእትበልዕዎን ብእትሰትይዎን ወይ ንኣካልኩም ብእትኽደንዎ ኣይትተክዙ (ኣይትጨነቑ)፡ ሕይወት ካብ ምብላዕ ኣካል ከኣ ካብ ክዳንዶ ኣይበልጽን፧

መግለጺ፦ ነፍሲ እምኀበ ኣልቦ ንሥጋ ካብ ኣርባዕተ ባህርያት ኣምጺኡ ኣዋሒዱ ዝፈጠረ ጐይታ መግብን ክዳንን ምሃብዶ ይጨንቆ እዩ፧

ስብከት ናይ ጾም ብድምፂ



Thursday 23 February 2017

ኪዳነ ምሕረት




ኪዳነ ምሕረት ማለት፡ ናይ ምሕረት ኪዳን ማለት እዩ። ኪዳን ማለት ምምሓል፡ ዉዕል ምእታዉ፡ ምስምማዕ ማለት እዩ። ስለዚ ኪዳነ ምሕረት ክንብል ከለና ድማ ናይ ምሕረት ኪዳን፡ ዉዕል ስምምዕ ማለት እዩ። ልዑል እግዚአብሔር ኣምላኽና ንብዙኃት ካብ ቅዱሳኑ ቃል ኪዳን ኣትይሎምን ይኣትወሎም አሎን ፡ ንዝመጽእ ውን እንተኾነ ሕጉ ንዝሓለውን ንሱ ዝኣዘዞም ብምፍጻም ንዘሥምርዎን ክሳብ እለተ ምጽኣት ኪዳኑ ኣይቋረጽን እዩ። ካብ ዝኣተዎ ኪዳን ድማ ከይፈጸሞ ዝተረፈን ዝኃለፈን ግዚያት ፈጺመን የለዋን። ስለዚ ድማ እዩ ልቢ ኣምላኽ ቀዱስ ዳዊት ኣብ መዝሙሩ መዝ 132፡11 ከምዚ እናበለ ዝመስከረ “እግዚአብሔር ከመዚ ክብል መሓለሉ ብዝመሓሎ ድማ ኣይክጠዓስን እዩ” ብምባል ኣምላኽና ኣብ ዝኣተዎ ኪዳን ጽኑዕ ምዃኑ ኣነጸረ።

 ነቢይ እግዚአብሔር ቅዱስ ሚልክያስውን ነዚ ኣመልኪቱ  “ኣነ እግዚአብሔር ኣይልወጥን እየ” /ሚል 3፡6/ ዝብል ቃል ጽሒፉልና ኣሎ። በዚ ኸኣ እግዚአብሔር ዝኣተዎ ቃል ዘይልወጥ ኣምላኽ ምዃኑ ንርዳእ። ሊቀ ነቢያት ኣቦና ቅዱስ ሙሴ ውን ኣብ ኦሪት ዘኁልቅ 23፡19 “ኣምላኽ ከይሕሱ ሰብ ኣይኮነን፡ ከይጠዓስ ውን ወዲ ሰብ ኣይኮነን” ብምባል ኣምላኽና ብዝኣተዎ ኪዳን ንዘልኣለም ከም ዘይጠዐስ የረድኣና። 

 እዚ ነቢያት ቃሉ ከም ዘይቅየር ዝመስከሩሉ፡ ኣብ ነቢያቱ ኃዲሩ ትንቢት ዘዛረበ ልዑል ኣምላኽ፡ ፍቕሪ ናይ ሰባት ስሒብዎ፡ ካብ ማእሰርቲ ናይ ሰይጣን ናጻ ኬውፅኣና  ናይታ ብንጽሕናኣ መወዳድርቲ ዘይብላ ቅድሰትን ርኅርኅትን ኣዴና ቅድሰት ድናገል ማርያም ማኅፀን መሪጹ ኣብኣ ብምሕዳር ካብ ሥጋኣ ሥጋ ካብ ነፍሳ ነፍሲ ወሲዱ፡ እሳታዊ መለኮቱ ንልምላሜ ሥጋኣ ከየቃጸሎ፡ ናታ ልምላሜ ሥጋ ድማ ነቲ እሳታዊ መለኮቱ ከየጥፍኦን ከይለወጦን ብፍጹም ተዋሕዶ ሓደ ኣካል ሓደ ባህርይ ኂዙ፡ ፍጹም ሰብ ፍጹም ፍጹም ኣምላኽ ኮይኑ ብምውላድ፡ ኣብዛ ምድሪ ዝተመላለሰለን  ሣላሳን ሠለስተን ዓመት  ኣብ መዋእለ ስብከቱ፡ ብፍላይ ድማ ኣብታ ብዛዕባ ነዞም ኣብ ኃጢአት ታኼላ ተሸሚምና፡ ካብ ኃጢኣትናን በደልናን ምልቓቕ ዝኣቤና፡ ንጸሎት ንጾምን ኣምልኾ ስግደትን ጊዜ ዘይብልናን፡ ንሽሙ ጥራይ ክርስቲያን ኢልና እንጐዓዝ ደቂ ሰባት፡ ኣዝያ እተፍርህን እተጨንቕን መዓልቲ ፍርዲ፡ ኣብዛ ጐይታና ብዛዕባ ምልክት መወዳእታ ዓለምን ምጽኣቱን ዝመሃረላ ኣንቀጽ አብ ማቴ 24፡35 “ሰማይን ምድርን ክኃልፍ እዩ ቃለይ ግና ንዘለዓለም ይነብር” ብምባል ነቲ ዘይቅየር  ኣምላኻዊ ቃሉ ደጊሙ ኣረጋጊጽልና እዩ።

 ካልእ ነዚ መረጋገጺ ዝኾነና ንድኅሪት ምልስ ኢልና ንገለ ካብ ቅዱሳን አቦታትናዝኣተወሎምን ዝፈጸመሎም ቃል ኪዳን ንርአ። ብመሠረት ናይ ቤተ ክርስቲያንና ሾብዓተ ኪዳናት ዝበሃሉ ኣለዉ። ንሳቶም ድማ፦
1. ኪዳነ ኣዳም
2. ኪዳነ ኖኅ
3. ኪዳነ መልከጼዴቅ
4. ኪዳነ ኣብርሃም
5. ኪዳነ ሙሴ
6. ኪዳነ ዳዊት
7. ኪዳነ ምሕረት እዮም።

 ነቲ ናይ መጀመርታ ፍጠረት ዝኾነ ኣቦና ኣዳም፡ ሕጊ ልዑል ኣምላኽ ብምፍራሱ ካብ ገነት ምስ ተባረረ፡ ኣብ ምድሪ ርሂጹ ክበልዕን ብነፍሱ ድማ ኣብ ሲኦል ኣብ እግረ ኣጋንንት እንዳተረግጸ ክነብርን ተፈርደ።ነዚ ፍርዲ ተቐቢሉ ካብ ገነት ምስ ወፀ፡ብጾም ጸሎትን ብኃዘንን ብልቕሶን ናብ እግዚአብሔር ኣምላኹ ምስ ተመልሰ ድማ፡ እቲ ነቶም ኃጢኣቶም አሚኖም ብንስሓ ዝምለሱ ብሓጐስ ዝቕበል ዋግኦም ዝኸፍሎምን ብዓል ብዙኅ ምሕረት ዝኾነ ሰማያዊ ኣምላኽና፡ጸሎቱ ተቐቢሉ ከመዚ ክብል ናይ ተስፋ ቃል ኣተወሉ “ድኅሪ ኃሙሽተ መዓልትን ፈረቓን {5500 ዘመን} ካብ ጓል ጓልካ ተወሊድ ኼድኅነካ እየ”።ብርሃን ኣለም ሓዋርያ ቕዱስ ጳዉሎስ ናብ ሰብ ገላትያ ኣብ ዝላኣኾ መልእኽቱ ገላ 4፤4 ከም ዝነገረና ድማ ናይ ዘመኑ ፍጻሜ ምስ በጽሐ ማለት 5500 ዘመን ምስ መልአ፡ እቲ ቓሉ ዘይዓጽፍ ቃል ኪዳኑ ንምፍጻም ድማ ዘይድንጒ ጐይታ ካብዛ ናይ ሓድሽ ኪዳን ኪሩቤል ዝኾነት ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ንጹሕ ሥጋን ነፍስን ብምውሳድ ሰብ ኮይኑ፡ ብዕለተ ዓርቢ ብዘፍሰሶ ክቡር ደሙ ካብ ማእሰርቲ ሰይጣን ናጻ ኣውፅኣና። ሉቃ 23፡35 ቆለ 2፡14 ኤፌ 2፡13-15 ስለዚ ድማ ንኣዳም ዝኣተወሉ ቃል ኪዳን በዚ ዘደንቕ ውዕለት ኣምላኽ ተፈጸመ።

 ካብኡ ብምቕጻልውን ዓለም ብምልእታ ካብ እግዚአብሔር ዓልያ ኣብ ዝነበረትሉ  በይኑ ናይ ጽድቂ ስብከት ዝሰብኽ ዝነበረ አቦና ኖህ ፤እግዚአብሔር ዓስቢ ዓመጸኛታት ክኸፍል ከሎ ማለት ንዓለም ብሰንኪ ኃጢኣት ብማይ ኣይሂ ከጥፍኣ ከሎ፡ኖህ ምስ ሸሞንተ ነፍሳት ከም ዝዳኃኑ ዝፍለጥ እዩ 1ይ ጴጥ 3፡20። ብድኅርዚ እግዚአብሔር ዳግማይ ንዓለም ብማይ ኣይሂ ከም ዘየጥፍኣ ነቲ ጻድቕ ኣቦና ኖህ ቃል ኪዳን አተወሉ “ኣምላኽ ካኣ በለ ነቲ ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎኹም ኣብ መንጎ እቲ ምሳኻትኩም ዘሎ ኩሉ ሕያው ነፍስን ዝኣአትዎ ኪዳን ምልክት እዚ እዩ፡ ቀስተይ ኣብ ደመና አንብር ኣለኹ፡ንሱ ድማ ነቲ ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎ ምድርን ዘሎ ኪዳን ምልክት እዩ” ብምባል ነዚ ናይ ኣዴና ቅድሰት ድንግል ማርያም ምሳሌ ዝኾነ ቀስተ ደመና ምልክት ጌሩ ሃቦ ክሳዕ ሕጂ ውን ብዓይንና ንርእዮ ምልከት ኮይኑ ኣሎ። ቀጺልናውን ናይቲ ናይ ክርስቶስ ምሳሌ ዝነበረ ናይ እግዚአብሔር ካህን መልከጼዴቅ ክንርኢ ንኽእል። ንሱ ብምናኔ እናነበረ ዓጽሚ ኣዳም ኂዙ ኣብ ቀራንዮ ኾይኑ ሕብሥትን ቊርባንን የቕርብ ነበረ። እግዚአብሔር ንመልከጼዴቅ ነዛ ኣብ ሓድሽ ኪዳን ትሥራዕ ክህነትን ቊርባንን ምሳሌ ገይሩ ብቓል ኪዳን ኃቲምዎ እዩ። በዚ ድማ መልከ ጼዴቅ ክሳዕ ሕጂ ሞት ከይጠዓመ ተሠዊሩ ይነብር ኣሎ /ዘፍ 14፡18 ዕብ 7፡1../። ነቲ ናይ እምነት ኣቦ ዝኾነ ኣቦና አብርሃም ድማ ኣብ እርግናኡ ክወልድ፡ ከብዝኆን ክባርኾን ሕዝብታት ብእኡ ክባረኹ ምዃኖም ከምዚ ኢሉ ቃል ኣተወሉ “ኣነ ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎኻን ኣብ መንጎ ዘርእኻ ብድሕሬኻን ኣብ ወለዶኦም ኪዳነይ አቕውም / ዘፍ 17.7 ዘፍ 15 1-7/።እቲ ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎኻን፡ብድኅሬኻ ድማ ኣብ ዘርእኻ ዘሎ እሞ ንስኻትኩም እትሕልዉዎ ኪዳን እዚ እዩ። “ኣባኻትኩም ተባዕታይ ዘበለ ይገዘር፡ ዘይተገዝረ ተባዕታይ ግና እዛ ነፍሲ እዚኣ ኪዳነይ አፍሪሳ እያ እሞ ትሞንቆስ” ብምባል ዝሃበና ኪዳን ከነጽንዕ ከም ዘለና የጠንቅቐና።

 እዚ ኺዳን እዚ ድማ ነቦና ኣብርሃም ይስሐቅ ዝመሰለ ቅዱስ ወሉድ ብምሃብ ቃል ኪዳኑ ፈጺምሉ እዩ። መወዳእትኡውን ብዘርእኻ ኣሕዛብ ክባረኹ እዮም ብዝበሎ መሠረት፡ ዘርኢ ኣብርሃም ብዝኾነት ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ሥጋ ለቢሱ ብምውላድ ዘርኢ ኣብርሃም ዝኾነ ክርስቶስ ንሕዝብን ኣሕዛብን ሓደ ጌሩ ባረኸናን ቀደሰናን /ግ.ሓ 3፡25 እብ 2፡16 ኤፌ 2፡13-15/። ኃምሳይ ኪዳን ኪዳነ ሙሴ እዩ። እዚ ለዋህን ትሑትን ዝኾነ ቅዱስ ኣቦ፡ ንሕዝቢ እስራኤል ካብ ግብጺ ኣውፂኡ ን40 ዓመት ዝኣክል ኣብ በረኻ ክመርሖም እንከሎ፡ ጽላተ ኪዳንን ዓሠርተ ትእዛዛትን ተቐበለ /ዘፀ 20፡1 31፡18/።

“እግዚኣብሄር ንዳዊት፣ ካብ ፍረ ኸርስኻ ኣብ ዝፋንካ ከቐምጥ እየ፣ ውሉድካ ኺዳነይን ነቲ ዝምህሮም ምስክረይን እንተ ሓለዉ፣ ውሉዶም ድማ ኣብ ዝፋንካ ንሓዋሩ ኺቕመጡ እዮም፣ ኢሉ ብሓቂ መሐለሉ፣ ካብኡ ኣይኪርሕቕን እዩ”  ተባሂሉ ከም ዝተጻሕፈ፡ ሳድሳይ ኪዳን ድማ ኪዳነ ዳዊት እዩ /መዝ 132፡11/።

እምባአረከስ ዝኸበርኩምን እግዚአብሔር ኣምላኽ ብበረኸቱ ዝበጽሓኩምን ነዚ ቕዱስን ክቡርን መንፈሳዊ በዓል ንምኽባርን ካብ ደጊኣ ድማ በረኸት ንምሕፋስን ካብ ኵሉ ኩርናዓት ዓለም እግዚአብሔር ብምሕረቱ ዝኣኻኸበኩም ሕዝበ እግዚአብሔር። ልኡል እግዚአብሔር ኣምላኽና፡ ነዚ ዅሉ ክንሰምዖ ዝጸናሕና ጸጋን በረኸትን ነቶም ዜሥመርዎ ቅዱሳኑ ዝፍጽመሎም ካብ ኮነ፡ ነታ ነቲ ዘይውሰን ኣምለኽ ኣብ ማኅፀና ዝወሰነት፡ ብንጽሕናኣ ኣብኣ ከም ዝኃድርን ካብኣ ከም ዝውለድን ዝገበረቶ፡መዝ 45፡11 132፡13 ሉቃ 2፡7 ንትሽዓተ ወርኅን ኃሙሽተ መዓልትን ኣብ ከርሳ ዝፀረቶን፡ብግናዕ ኣእዳዋ ሓቝፋ ጸባ ዘጥበወቶን ፡ካብ እቲ ናይ ዲያብሎስ መኅደሪ ዝኾነ ጨካን ንጉስ ሄሮድስ ንምድሓን ሓዚላቶ ፈቖዶ ሳህራን ቁርን በረኻን ሃሩርን የእጋራ ደም ክሳዕ ዝነዝዕ እሾኽ እናወግኣ፡ሠለስተ ዓመትን ሽዱሽተ ወርኅን ምስኡ ዝተሰደት /ራኢ 12፡6 ማቴ 2፡13/፡ ኣብ ጊዜ ስቕለቱውን ወዳ ካብ ሃና ናብ ቀያፋ ካብ ጲላጦስ ናብ ሄሮድስ ከመላልስዎ፡ ኣብ ቅድሚ ዓይና ክጸፍዕዎ ክገርፍዎ ከላግጽሉን ጡፍ ክብልሉን፡ ብኹርማጅ ክገርፍዎን ንስለ ኃጢአት ደቂ ሰብ ኣብ መስቀል ዕራቖቱ ክሰቕልዎ ዝራኣየትን፡ ከምቲ ስምኦን ኣረጋዊ ዝተነበየላ ሉቃ 2፡34 መሪር ኃዘን ዘኅለፈት ርኅርኅቲ ወላዲቱ ድንግል ማርያም ዝኣተወላ ቃል ኪዳን ደኣ ማዕረ ኽንደይ ዝኸበረን ዝዓበይን ዘይከውን።

 እስኪ ሰሚዕና ምእንቲ ኽንትግብሮን ክንባረኽን፡ ነዛ ቕድሰቲ ኣደ ዝታአተወላ ቃል ኪዳን ንምስማዕ እዝነ ልቦናና ኸፊትና ጽን ንበል። ታሪኹ ከምዚ እዩ  ጐይታ ብዕለተ ዓርቢ ኣብ ዕጸ መስቀል ኮይኑ ካብ ዝተዛረበን ሾብዓተ ናይ ርኅራኄ ቓላት እታ ሓንቲ “እነሀት ኣዴኻ” ትብል እያ ኔራ /የሓ 19፡27/። ቅዱስ ዮሓንስ ነዚ ቓል ናይ ጐይታ ብምኽባር ናብ ቤቱ ወሰዳ። እንተ ኾነ ግና ናይ ነገር ወላዲት ናብ መቓብሩ ብምኻድ ንግሆ ንግሆ ኣብኡ እናነብዐት ትጽሊ ነበረት።ሓንቲ ካብ መዓልታት ማለት በዛ ሕጂ ተጋቢእናላ ዘለና ክብረቲ ዕለት የካቲት 16 ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ነዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ኣብ መቓብሩ ኮይና እናጸለየት ከላ፡ ብሃንደበት እልፊ ኣእላፋት ቅዱሳን መላእኽቲ ኣኸቲሉ ብምምጻእ አዚ ንዅልና ኣመንቲ ክርስቶስን መፍቀርቲ ቅድስት ድንግል ማርያምን ዝኾና ምእመናን ዓቢይ ናይ ምሕረት ቃል ኪዳን ተዋህበት፡ “ስምኪ ዝጸውዐ፡ ቤተክርስትያን ብስምኪ ዝሓነፀ ኢሰ 54፡6 ማቴ 174፡ብስምኪ ንጥሙያት ዘብለዐ ዝጸምኡውን ዘስተየ ማቴ 10፡40-41፡ዕሩቓት ዘልበሰ ኅዙናት ዘጸናንዐ፡ ውዳሴኺ ዝጸሓፈ ወዱ ወይ ጓሉ ብስምኪ ዝሰየመ ኣነ ክምሕረልኪ ቃል ኪዳን አትየልኪ ኣለኹ” /ዘሰነ ጎልጎታ/።እዚ ኪዳን ዝተቐበለቶ ደኅሪ ዕርገት ጐይታና የካቲት 16 እዩ።

 ከምቲ ኣብ 2ይ መጽሓፈ ነገስት 13፡23 ተጻሒፉ ዘሎ “እግዚአብሔር ግና ደንገጸሎም ስለ እቲ ምስ ኣብርሃም ይስሐቅን ያዕቆብን ዝኣተዎ ኪዳኑ ኢሉ ድማ ገጹ መለሰሎም ከጥፍኦም ከኣ ኣይፈተወን፡ ክሳዕ ሕጂውን ኣብ ቅደሚ ገጹ ኣይደርበዮምን” ዝበሎ እንደገናውን ኣብ ዘፀ 32፡13 “ንኣብርሃም ንይስሓቅ ንእስራኤል ንኣኣቶም፡ ንዘርእኹም ከም ከዋኽብቲ ሰማይ ከብዝኆ እየ፡ እታ ዝተዛረብኩላ ምድሪ ድማ ብዘላ ንዘርእኹም ክህቦ እየ፡ንዘለዓለም ካኣ ክርስተይዋ እዮም ኢልካ ብርእስኻ ዝመሓልካሎም ንባሮትካ ዘክር” እግዚአብሔር ድማ ካብቲ ኽገብሮ ኢሉ ዝሓሰበ ክፉእ ሰለቲ ንኣብረሃምን ይስሓን፡ያዕቆብን ዝኣተወሎም ቃል ኪዳን ክብል ተጣዕሰ” ዝበሎ፡ ደጊሙ ኣብ 1ይ መጽሓፈ ነገስት 11፡32 ውን ምእንቲ ባርያይ ዳዊትን ምእንቲ እታ ካብ ኵለን ከተማታት ነገዳት እስራኤል ዝኃረኽዋ ኢዮርሳሌምን  ግና እቲ ሓደ ነገድ ንኣኡ ይኹን” ዝበሎ ሕጂ ኻኣ ነዞም ብሓሳብ ሥጋ ተዋሒጥና ሕጊ ኣምላኽ ንምፍጻም ዝኣበናን፡ ካብ ብዘኂ ኃጢኣትና ዝተላዕለ ፍቕሪ ኣብ መንጎና ዛሕቲላ ብዓመጽን ጥቕሚ ገንዘብን ንጻደፍ ዘለና፡ ሓደ ልቢ ብምዃን ንኣምላኽና ከይነገልግል፤ ብዓደይ ዓድኻ ብቛንቋ፡ብዓሌት፡ብኣውራጃን ተኸፋፊልና፡ ናይ ምምሳል ጥራይ እምነት ኣለትና እናበልና ዝጠፋእና ደቃ ብቓል ኪዳና ትሓልወና። ልኡል እግዚአብሔር ኣምላኽና ከምቲ ምስ ዝቐደሙ ኣቦታትና ዝነበሮ ፡ሕጂውን ምሳና ስለ ድንግል ኣዲኡ ክብል፡ካብ ኵሉ ዓመጻና ከንጽሓናን ኣብዚ ክፉእን ኣጨናቕን ጊዜ ልብና ናብ እምነት መሊሱ ክቕድሰና፡ ንሃገርናን ንዓለም ምሉእን ሰላሙ ክህበና፡ንቅድስቲ ቤተክርስትያና ፍቕርን ሓድነትን ክዕድለናን ናይ እግዚአብሔር ቅዱስ ፍቓዱ ይኹነልና።

ምሥጋና ንእግዚአብሔር ንወላዲቱ ድንገልን ንመስቀሉ ክቡርን ንዘለዓለም ኣሜን

Wednesday 22 February 2017

ናይ ቅዱስ ዮሓንስ ኣፈወርቅ ሕይወቱን ትምህርቱን 29


ብ1204 ዓ.ም ዓጽሙ ብመስቀላውያን (ወተሃደራት) ካብ ቁስጥንጥንያ ናብ ሮማ ተወስደ። ኣብ ሮም ቫቲካን ድኅሪ ምጽንሑ ብናይ ሮማ ሊቀ ጳጳስ ብዮሓንስ ጳውሎስ 2ይ ብ27 ኅዳር 2004 ዓ.ም ናብ ቁስጥንጥንያ ተመልሰ።

11. ሓፈሻዊ ሰብእናኡን ጠባዩን

 ቅዱስ ዮሓንስ ኣፈወርቅ ዕብየትን ሕያውነትን፡ ፍሉይ ተውህቦን ፍጹም ሃይማኖተኛነትን ብሓደ ኣወሃሂዶም ካብ ዝኃዙ ኃዲግዎም ብዝኸዱ ብድርሳናቶምን (ጽሑፋቶምን) ብኣርኣያነቶምን ኣብ ቤተ ክርስቲያን ቀጻልነት ብዘለዎ ኵነታት ኣብ ኵሉ ዘመናት ደስ ዘብል ምዕባለን ኣወንታዊ ተጽዕኖን ካብ ዘኅደሩን ውሑዳት ቅዱሳን ኣቦታት ሓደ እዩ። ንሱ ንዘመኑ ትኽክለኛ ሰብ ነበረ፡ ንዅሉ ዘመንውን ትኽክለኛ ሰብ እዩ። ጎሊሑ ዝርአ መሪሕ ባህታውነቱን፡ ገዳማዊ ሕይወቱን ነበረ።

 እቲ ኣብ ብሕትውና እንከሎ ዚተጐድአ ጥዕናኡ፡ ኣብቲ ዚተረፈ ናይ ሕይወት ዘመኑውን ብቐጻሊ የሸግሮ ነበረ። ብፍላይ ድማ ካብ ብዝኂ ትሕርምቲ ዚተላዕለ ብዝፈጠረሉ ከቢድ ናይ ውሽጢ ሕማምን፡ ብርቱዕ ሕማም ርእስን ይሳቐ ነበረ። በዚ ምኽንያት ድማ ዋላ እኳ ብሓፈሻ ጠባዩ ግብጃታትን ካልኦት ገልጠምጠማትን ዘይፈቱን ዘይካፈልን እንተ ነበረ፡ ክርከበሎም ኣብ ዝግባእ ሓደ ሓደ ማኅበራውን ሥርዓታውን ጉዳያትን ኵነታትን ንምርካብን ንምክፋልን ይሽገር ነበረ። ጸላእቱ ካብኡ ኪረኽቡዎ ዝኸኣሉ ማለት እዚ ጌጋ ነይሩዎ ዝበሉዎ ነገር እንተ ነይሩ ኸኣ እዚ እዩ፡ “ምስ ሰብ ኣይሕወስን እዩ፡ ሰብ ኣይፈቱን እዩ” ይብሉዎ ነበሩ።

 ምስ ኵሎም ክፍልታት ናይ ኅብረተ ሰብ፦ ምስ መንእሰያትን ዓበይትን፡ ምስ ኣወዳትን ኣዋልድን፡ ምስ ድኻን ሃብታምን ርእሱ ኣትሕት ኣቢሉ ብናጽነት ይሕወስ ነበረ። ካብ ኵሉ ወገን ድማ ኣዝዮም ዝፈትዉዎ ብዙኃት ፈተውቲ ነበሩዎ። ጸላእቱውን ከምኡ ነበሩዎ። እንተ ኾነ ግና እቶም ዚፈትዉዎ ንእኡ ዚነበሮም ፍቕሪ ካብ ሞት ዝኅይልን ካብ ሲኦል ንላዕሊ ድማ ዘቃጽልን ፍቕሪ ነበረ። ብርግጽ ኣብቶም ዚፈትዉዎ ሰባት ክሳዕ ክንድዚ ዝኣክል ዝፍቶ ካብ ኮነ፡ እቶም ዝፈትዉዎ ማዕረ ኸንድዚ ኣጥቢቖም ከም ዘፍቅሩዎ ዝገበሩዎም ምኽንያታት፡ ነቶም ዝጸልእዎ ድማ ከም ዝጸልእዎ እንተ ገበሩዎም ምኽንያታዊ እዩ። እዚ ኵነታት ናይቶም ዚፈትዉዎ ሰባት ኣብቶም ኣብ ዘመኑ ዚነበሩ ሰባት ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብ ኵሉ ዘመናት ንዝተንሥኡን ናቱ መንነትን ሕይወትን ዝፈለጡን ሰባትውን ንቕዱስ ዮሓንስ ኣፈወርቅ ዝነበሮም ፍቕሪ ኣዝዩ ጽኑዕን ኪግለጽ ዘይክእልን እዩ። ብቕድስና ሕይወት፡ ብሓቅነት፡ ብዘይካ ንእግዚአብሔር ንዋላ ሓደ ዘይምፍራህ ብቕኑዕን ንጹሕን ሕሊና፡ ብርኅራኄን ንኽርስቶስ ብምፍቃርን፡ ንኽብሪ ክርስቶስ ጥራይ ብምንባርን፡..ብዅሉ ነገር ፍጹም ኣርኣያ እዩ። ንእኡ ምዝካር ፍሉይ ስምዒት ይፈጥር። ኣብ ላዕሊ ከም ዚተገለጸ፡ ቀንዲ ኣብነት ገይሩ ዚወስዶ ንቕዱስ ጳውሎስ እዩ ነይሩ። ከምኡውን ናይ ቅዱስ ዮሓንስ ወንጌላዊ ፍቕርን ተፈታውነትን ነበሮ። ቅዱሳት መጻሕፍቲ ዕለታዊ መግቡ ነበሩ። ንምእመናን ይኹን ንካህናት ድማ ደጋጊሙ መጽሓፍ ቅዱስ ኪመሃሩን ከጽንዑን ከም ዘለዎም ብዕቱብ ይመክር ነበረ።  ምንጪ ናይ ብዙኃት ጌጋታት ቅዱሳት መጻሕፍቲ ካብ ዘይምምሃርን ዘይምፍላጥን  እዩ ድማ ይብል። 

 ቅዱስ ዮሓንስ ኣፈወርቅ ንጹሕ ሰብ፡ ናይ ተግባር ክርስቲያንን ናይ ሰባኽያን ንጉሥን ነበረ። ሓደ ናይ ታሪኽ ቤተ ክርስቲያን ፈላጥ ከምዚ በለ፦ “ሓደ ካህን ኪኾኖ ብዛዕባ ዝግባእ ነገር ኣብ ጊዜ ጉብዝናኡ ብውዕዉዕ መንፈስ ኣብ ዝጸሓፎ መጽሓፍ ዝገለጾ  ሥጋ ዚለበሰ ሰብ ኪገብሮ ዝኽእል ዘበለ ክሳዕ እቲ ናይ መወዳእታ ደረጃ ኣብ ሕይወቱ ብተግባር ፈጸሞ።” ናይ ካልእ ኃዉ መንፈሳዊ ሕይወት ክዓብን ክጸንዕን ከም ዘለዎ ምግባር ናይ ነፍሲ ወከፍ ክርስቲያን ኃላፍነት ከም ዝኾነ የረድእ ነበረ። “ካልኦት ንምድኃን ኢሉ ዋላ ሓንቲ ጻዕሪ ካብ ዘይገብር ክርስቲያን ንላዕሊ ዘኅዝን የልቦን። ኣወዳት ይኹኑ ኣዋልድ ድኽነቶም ወይስ ትሑት መነባብሮኦም ወይስ ካልእ ነገር ካብዚ ዓቢይ ኃላፍነት ናጻ ኺገብሮም ኣይክእልን እዩ” ይብል። 

ናይዚ ቅዱስ ኣቦ ዜና ሕይወት ብዝምልከት ኣስፊሖም ካብ ዚጸሓፉ ብዙኃት ናይ ቤተ ክርስቲያን ናይ ታሪኽ ጸኃፍቲ ሓደ ንሱ ኣብ ዝጸሓፎ ጽሑፍ ርኢቶኡ ዝሃበ ካልእ ሰብ፡ ናቱ ጕድለት እዩ ዝበሎ ቃል ክዛረብ ከሎ ከምዚ ከም ዝበሎ ይገልጽ፦ “ዘይውፃእ ነገር ጀመረ፡ ማለት ንካህናት ምስትኽኻልን ናይ ቤተ መንግሥቲ ሹማምንቲ ብሓቅን ብዘይ ኣድልዎን ኪሠርሑ፡ ኵላቶም ብሓቅን ንሓቅን ጥራይ ኪነብሩ ከም ዘለዎም ንምግባር ተላዕለ፡ ካብ ኵሉ ኩርንዓት ጸላእቱ ኣብ ልዕሊኡ ሓደ ኾይኖም ንኽተኣኻኸቡሉን ንኽኃብሩሉን ድማ ዕድል ሃቦም። እዚ ኪኸውን ዝኸኣለ ድማ ንጸላእቱ ሓደ ኣብ ልዕሊ እቲ ሓደ ከም ዝለዓሉ ናይ ምግባርን ናይ ምፍልላይን ናይ ዲፕሎማሲ ሥራሕ ስለ ዘይፈልጥ እዩ።”

እቲ ጸሓፊ ነዚ ርኢቶ እዚ ንዝሃበ ሰብ ክምልሰሉ ኸሎ ድማ ከምዚ በለ፦
 “ቅዱስ ዮሓንስ ኣፈወርቅ ናይ ቢዛንታይን “ዲፕሎማት” እንተ ዝኸውን ነይሩ ሓደ ምስቲ ሓደ እናጋጨኻን ካልእ ሜላታት እናተጠቐምካን ንጸላእትኻ ናይ ምድኻም ሜላ ኪህልዎን ነዚ ሜላ እዚ ድማ ኪጥቀምን ይኽእል ነይሩ ይኸውን፡ ከምዚ ገይሩ ነይሩ እንተ ዝኸውን ግና ንሱ ቅዱስ ዮሓንስ ኣፈወርቅ ኣይምኾነን ነይሩ። ኣብ ዘመኑ ዚነበረን ብድኅሪኡ ኣብ ኵሉ ዘመን ዚትንሥእ ትውልድን ነቲ ክሳዕ ጥርዚ ዚበጽሐ፡ ካብ ክፍኣትን ተንኮልን ናጻ ዝኾነ እንከን ዘይብሉ ፍጹምነትን ሓቀኛነቱን፡ ኣዝዩ ብዓቢይ ኣኽብሮትን ፍቕርን ክርእዮን ከፍቅሮን ኣይምኸኣለን። ንሱ ከምዚ ካብ ዚነበረሉ ዘመን ጀሚሩ ዓቢይን ፍቱውን ኪኸውን ዝኸኣለ፡ ካብቶም ኣብ ዘመኑ ዚነበሩ ኣድመኛታትን ዲፕሎማትን ዚተፈለየ ስለ ዚነበረ እዩ። እወ ብደገ ክርአ ኸሎ ንጊዜኡ ተሳዒሩ እዩ፡ እንተ ኾነ ግና ብናይ ኵሉ ዓለም ናይ ሕሊና ፍርዲ ዘለዓለማዊ ናይ ሞራል ዕዉት (ሰዓሪ) እዩ።”

 ኃጢኣትን ግፍዕን ፈጺሙ እዩ ዝጽየፍ፡ ንኃጥአን ግና ብንስሓ ናብ ኣምላኾም ምእንቲ ኺምለሱ ብምጽንናዕ የበራትዖም። ንሰባት ምምሃርን ምእማንን ደኣ እምበር ምግዳድ ግቡእ ከም ዘይኮነውን የረድእ ነበረ። ብዛዕባዚ ከምዚ ዝስዕብ ኢሉ ነይሩ፦ “ ልዕሊ ዝኾነ ሰብ ክርስቲያን ንናይ ኃጢኣተኛታት ጌጋ ብኃይሊ ከነስተኻኽል ኢና ንኸይብሉ ተኸልኪሎም እዮም።... ንሰብ ብኃይሊ ዘይኮነስ ብምእማን (ኣእሚንካ) ዚኃሸ ሰብ ኪትገብሮ ግቡእ እዩ። ኃጢኣተኛታት ካብ ኃጢኣቶም ደው ንምባል ብሕጊ ዚተዋህበ ሥልጣን የብልናን፡ እንተ ዝህልወና እኳ ከመይ ገይርና ኪንጥቀመሉ ከም ዘለና ኣይንፈልጥን ኢና። እግዚአብሔር ነቶም ካብ ክፍኣት ብኃይሊ ዘይኮነስ ብፍቓዶም ዚተሓለዉ እዩ ኣኽሊል ዝህቦም።” ስለዚ ኵሉ ሰብ ብፍቓዱ ካብ ኃጢኣት ኪፍለን ናብ እግዚአብሔር ብሓቀኛ ልቢ ኪቐርብን ሰብ ጸጋን ሰበ ሥልጣናትን ግፍዒ ንኸይፍጽሙን ካብ ጽድቂ ድማ ንኸይርሕቁን ንዋላ ሓደ ከይፈርሀን ገጽ ርእዩውን ከየዳለወን ናይ ወንጌል ሓቂ ብቐጥታ መሃረ። ንድኻታት ኣጸናንዐ። ስለዚ ሓደ ጸሓፊ ብዛዕባዚ ኪጽሕፍ ከሎ፦ “ንዝተደላደሉ የሰንብዶም፡ ንዝተጨነቑ ድማ የጸናንዖም” በለ።

 ብዛዕባ ሃብቲ ኣመልኪቱ ብዓል ጸጋ (ሃብታም) ምዃን ዘይኮነስ፡ ገንዘብ ንጽድቂ ዘይምውዓልን ካብኡ ኃሊፍካ ሃብትኻ ንኃጢኣት መሥርሒ ምስ ትገብሮ እዩ ኃጢኣት ዝኸውን ብምባል መሃረ። “ሃብቲ ኣይነወግዝን ኢና፡ ነቲ ንእኡ ተኸቲሉ ዝመጽእ ትዕቢት ግና ነወግዝ” ይብል። ድኻታትውን ድኻታታት ብምዃኖም ጥራይ ኣብ እግዚአብሔር ፍሉይ ኣረኣእያ ከም ዘይግበረሎም ከስተውዕሉ ከም ዘለዎም የረድእ።

 ቅዱስ ዮሓንስ ኣፈወርቅ ትኽ ዝበለ እዩ ነይሩ። ብጽልኢ ናይቶም ሕንቁቓትን ብልሹዋትን ናይ ቤተ መንግሥቲ ካብ ዕላማኡ ሓንቲ ስድሪ እኳ ፈቐቕ ኣይበለን። ካብቲ ናይ መጀመርታ ስደቱ ድኅሪ ምምላሱ፡ ልክዕ ከምቲ ቕድሚኡ ዝምህሮ ዚነበረ ሕጂውን ንኃጢኣትን ንኽፍኣትን ንግፍዕን ካብ ምቅዋም ድኅር ኣይበለን። ቤተ ክርስቲያን ንሹማምንትን ሰበ ሥልጣናትን ከም ትደንን ኣይገበራን፡ ናይ ቤተ ክርስቲያን ሉዓላዊነት ንዋላ ሓደ ኣኅሊፉ ኣይሃበን። በዚ ድማ ምእንቲ ሓቂ ናይ መወዳእታ ዋጋ ከፈለ። ተጋድሎኡን ሕይወቱን ካብቲ ኣብ ኣንጾኪያን ኣብ ቁስጥንጥንያን እንከሎ ዚነበሮ ንላዕሊ ኣብ ስደቱ ብዝተቐበሎ መከራ ብሰማዕትነት ተኃትመ። ናይ ሠለስቲኦም ዓመታት ናይ ስደትን መከራ ጊዜያት ናይ ሕይወቱን ተጋድሎኡን ናይ ክብሪ ኣኽሊላት እዮም። ዋላ እኳ ብቐጥታ ክሳዱ ተሰይፉን ደሙ ኣፍሲሱን እንተ ዘይሞተ፡ ንሃይማኖት ክርስትናን ንሓቅን ክብሉ ዝኾነ ዓይነት መከራ ንምቕባል ድሉዋት ምስ ዝኾኑ ምስቶም ሓቀኛታት ሰማዕታት ወገን (ሰማዕታት ዘእንበለ ክዕወተ ደም) ሕያዋይ መስካሪ ሰማዕት እዩ።

 ቅዱስ ዮሓንስ ኣፈወርቅ ብሕይወቱን ካብኡ ንላዕሊ ድማ ብዘኅዝን ኣማውታኡ ኣብ መዓሙቕ ልቢ ናይ ምእመናን  ተኃቲሙ እዩ። እዚ ድማ ኣብ ሕይወቱን ዚሠርሖም ሥራሓትን ኃዲጎምዎ ኣብ ዝኸዱ ዓሚቚን ሰፊሕን ዝኾነ ኣሰር ግልጺ ኾይኑ ይርአ ኣሎ። ተፈታውነቱን ዕብየቱን ድማ ብሓፈሻ  ኣብቶም ናይ ታሪኽ ሰባትውን ከይተረፈ እዩ። ብዘይካ እቲ ብናይ ቤተ ክርስቲያን ታሪኽ ጸሓፊ ዝኾነ ኣውሳብዮስ ዘቂሣርያ ሳድሳይ መጽሓፉ ዳርጋ ብምሉኡ ኪበሃል ብዝኽእል መልክዑ ብዛዕባኡ ዚጸሓፈሉ ኦሪገን እንተ ዘይኮይኑ፡ ከም ናይ ቅዱስ ዮሓንስ ኣፈወርቅ ገይሩ ብዛዕባ ሕይወቱን ቅድስናኡን ዚተጻሕፈሉ ናይ ቤተ ክርስቲያን ኣቦ የልቦን። ኣብ ናይ ቤተ ክርስቲያን ናይ ታሪኽ መጻሕፍቲ ይኹን ተመሳሳሊ ድርሳናት ብዓይነት ይኹን ከም ናቱ ገይሩ ዚተጻሕፈሉ ናይ ቤተ ክርስቲያን ኣቦ የልቦን። ብዛዕባኡ ኣብ ዘዘመኑ ኣዝዮም ብዙኃት ተጻሒፎም እዮም። 

 ቅዱስ ዮሓንስ ኣፈወርቅ ገና ካብ መጀመርታኡ ኣትኂዙ ንሃይማኖታዊ ጉዳያት መወከስን ምስክርን ተገይሩ ይውሰድ ነበረ። ብ431 ዓ.ም ኣብ ኤፌሶን ኣብ ዚተኻየደ ሣልሳይ ዓለምለኻዊ ናይ ቤተ ክርስቲያን ጉባኤ ቅዱስ ቄርሎስን እቲ ጉባኤ ብሓፈሻን ከም መወከሲ ገይሩ ካብ ዘቕረቦምን ዝሰምዖምን ናይ ኣቦታት ትምህርታት ሓደ ናይ ቅዱስ ዮሓንስ ኣፈወርቅ እዩ። ከምኡውን ኣብ ሳምናይ ክፍለ ዘመን ንቕድሳት ሥዕላት ኪወሃቦም ብዛዕባ ዝግባእ ክብርን፡ ኣብ ክርስትና ሥዕሊ ምጥቃም ይግባእዶ ኣይግባእን ብዘብል ክትዕ ምኽንያት ኣብ ዚተኣከበ ሓደ ጉባኤ፡ ንቕድሳት ሥዕላት ግቡእ ዝኾነ ኣኽብሮት ኪወሃቦም ከም ዝግብኦ ዚገልጽ ካብ ናይ ቅዱስ ዮሓንስ ኣፈወርቅ ትምህርቲ ዚተረኽበ  ምንባብ ምስ ተነበበ፡ ካብቶም ተኣኪቦም ዚነበሩ ሓደ ጳጳስ ብድድ ብምባል “ቅዱስ ዮሓንስ ኣፈወርቅ ብዛዕባ ቅድሳት ሥዕላት ኣመልኪቱ ከምዚ እንተ ተዛሪቡ፡ ካብ ናቱ ተጻራሪ ኪዛረብ ደኣ መን ይኽእል፧” ብምባል ዓው ኢሉ ተዛረበ። እዚ ዅሉ እዚ ዘርእየና ድማ ተቐባልነቱ ኣብ ከመይ ዝበለ ደረጃ ከም ዝበጽሐ እዩ። ብ407 ዓ.ም ዚተፈጸመ ናይዛ ዓለም ድኻሙን ሥራሑን ካብቲ ጊዜ ጀሚሩ ናይ ክርስቲያን ሕይወት ኪኅግዝን ከብርህን ይነብር። ልዕሊ ዝኾነ ናይ ቤተ ክርስቲያን ኣቦ ኣብ ናይ ቤተ ክርስቲያን ዕለታዊ ምንቅስቓስን ሕይወትን ዚተቐደሰ ተጽዕኖኡን ኣሰሩን ጎሊሑ ይርአ።

ኣብ ሞስኮ (ሩስያ) ዝርከብ ናይ ቅዱስ ዮሓንስ ኣፈወርቅ ገዳም (1882)







 ሓደ ናቱ ዜና ሕይወት ዝጸሓፈ ኣብ ዘመኑ ዝነበረ ጸሓፊ ከምዚ በለ፦ “ንትምህርትን ንጥቕሚ ናይ ወዲ ሰብን ክኸውን፡ ከምኡውን ነቶም ኣብቲ ዓቢይ ዝኾነ ናይ ኤጲስቆጶስነት ተግባር ዝዋፈሩ ኵላቶም ቅዱስ ዮሓንስ ኣፈወርቅ ኣርኣያኦም ንኽገብሩዎ፡ ብዛዕባኡ ዝሰማዕኩዎ ኣብቲ ዝጸበቐ ብራና ብብርዒ እጽሕፍ ኣለኹ።” 
 ሓደ ካልእ ናቱ ትምህርቲ ጽቡቕ ገይሩ ዘንበበ ሰብ፡ ካብኡ ዝረኸቦ ጥቕምን ዘኅደረሉ ጽቡቕ ተጽዕኖን ክገልጽ ከሎ፦ “ካብ ሓደ ሽሕ ንላዕሊ ዝኾኑ ናቱ ትምህርታት ኣንቢበ ኣለኹ፡ ካብኣቶም ድማ ካብ ውሽጦም ኪግለጽ ዘይክእል ፍሉይ ጣዕሚ እዩ ዝፍልፍል። ካብ ሕፃንነተይ ጀሚረ ንእኡ ብምፍላጠይ ኣዝዩ ደስ ይብለኒ። ንድምፁ ድማ ከም ናይ እግዚአብሔር ድምፂ ገይረ እየ ዝሰምዖ። በዚ ኣነ ፈሊጠዮ ዘለኹን ኮይነዮ ዘለኹን ኵሉ ድማ አመስግኖ” በለ።
 ኣብ ናይ ስደት ጊዜኡ ዝተቐበሎ ኣደልፊዮስ ዝተባህለ ጳጳስ “ንቕዱስ ዮሓንስ ኣፈወርቅ ኣርእየኒ” ኢሉ ንአግዚአብሔር ሓተቶ። እግዚአብሔር ድማ ናይ ቤተ ክርስቲያን ቅዱሳን ሊቃውንትን ኵሎም ቅዱሳንን ኣርኣዮ፡ ንቕዱስ ዮሓንስ ኣፈወርቅ ግና ኣየርኣዮን። ብድኅርዚ እናኀዘነ ክወፅእ እንከሎ ናይ እግዚአብሔር መልኣኽ ረኣየ እሞ “ነዚ ዅሉ ክብሪ እዚ ርኢኻስ ከመይ ኢልካ ትኃዝን” ምስ በሎ “ኣይ ነቦይ ንቕዱስ ዮሓንስ ኣፈወርቅ ስለ ዘይረኣኹዎ እየ” በሎ እሞ እቲ መልኣኽ ድማ “ንእኡ ገና ኣብ ምድሪ ዘሎ መዋቲ ሰብ ኣይርእዮን እዩ፡ ካብ ኵሎም ሊቃውንተ ቤተ ክርስቲያን ንላዕሊ እዩ፡ ‘ቅዱስ ቅዱስ ቅዱስ’ እናበሉ ምስ ዘመስግኑ መላእኽቲ ምስ ሱራፌልን ኪሩቤልን ኣብ ትሕቲ መንበረ እግዚአብሔር እዩ ዘሎ” ከም ዝበሎ ይንገር።

Friday 17 February 2017

ትምህርተ ጾም ዘኦርቶዶክስ 7ይ ክፋል

 2. 8 ሰናብቲ ጾመ ፵
 ኣብ ላዕሊ ከም ዚገለጽናዮ ኣብ ውሽጢ ጾም ኣርብዓ 8 ሰናብቲ ኣለዋ። ነፍሲ ወከፈን ድማ ንኽብሪ ናይ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ዝገልጽን፡ ጐይታና ንድኅነትና ኢሉ ናብዚ ምድሪ ኣብ ዝመጸሉ ዝመሃሮምን ዝሠርሖምን ናይ ድኅነት ሥርሓት ዘዘኻኽር ትረጕም ኣለዎ። ስማት ናይዞም 8 ሰናብቲ፦
1. ዘወርደ
2. ቅድስት
3. ምኵራብ
4. መጻጕዕ
5. ደብረ ዘይት
6. ገብርኄር
7. ኒቀዲሞስ
8. ሆሳዕና ተባሂሎም ይጽውዑ።

2.1 ዘወረደ ዮሓ 3፡13-25

 ኣብዚ ዕለት እዚ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ሰማይ ናብ ምድሪ ብዛዕባ ምውራዱን፡ ወዲ ሰብ ብትሕትና ብፍርሃተ እግዚአብሔር ብዛዕባ ምንባሩን ይዝመር። ስያሜኡ ኣብዚ ዕለት ካብ ዝዝመር ናይ ቅዱስ ያሬድ መዝሙር ዚተወሰደ እዩ። ካብ ሰኑይ ጀሚሩ ጾመ ሕርቃል ይበሃል። ሰብ ልቡ ንጾም ንኸዳሉ ትምህርቲ ዝወሃበሉ፡ ኣብ ጊዜ ጾም እንታይ ዓይነት ሕይወት ኪህልወና ከም ዝግብኦ እንመሃረሉ ትምህርቲ እዩ።

2.1.1 ናይ ዕለቱ ናይ ቅዱስ ያሬድ መዝሙር ኣርእስቲ

ተቀነዩ ለእግዚአብሔር በፍርሃት፡ (ንእግዚአብሔር ብፍርሃት ተገዝኡ)

2.1.2 ኣብ ጊዜ ቕዳሴ ዚንበቡ

ዕብ 13፡7-17 ዲያቆን ገባሬ ሠናይ
ያዕ 4፡6-ፍጻሜ ንፍቀ ዲያቆን
ግ.ሓ 25፡13 ክሳዕ ፍጻሜ ተራዳኢ ካህን (ንፍቀ ካህን)

2.1.3 ናይ ዕለቱ ምስባክ 

ተቀነዩ ለእግዚአብሔር በፍርሃት፡ ወተሐሰዩ ሎቱ በረአድ፡ አጽንዕዋ ለጥበብ ከመ ኢይትመዐዕ እግዚአብሔር።
ንእግዚአብሔር ብፍርሃት ተገዝኡ፡ ብራዕዲ ኸኣ ደስ ይበልኩም፡ ጐይታ ንኸይቊጣዕ ተግሣፁ ተቐበሉ /መዝ 2፡11/።

ትጕሙ፦ “ንእግዚአብሔር ብፍርሃት ብምንቅጥቃጥ ተገዝኡ፡ ዋጋ ዘውህብ ስለ ዝኾነ ድማ ብምግዛእኹም ደስ ይበልኩም፡ ካብ ፍቕሪ ብዝመንጨወ ፍርሃት ደስ ይበልኩም። ንእግዚአብሔር ተገዝኡ ነቲ ጥበብ ዝተባህለ ወልድ ኸኣ እመንዎ፡ ወንጌል ንዝሠርዓልኩም ኣይተቐበልኩምዎን ኢሉ ከይፈርደኩም ብወዱ እመኑ” ማለቱ እዩ።

ወንጌል፦ ዮሓ 3፡13-25 
ቅዳሴ፦ ናይ ጐይታ (ነአኵተከ)

2.1.4 ስብከት

 ብዘይካ እቲ ካብ ሰማይ ዝመጽአ ኣብ ሰማይ ውን ዘሎ ወዲ ስብ ሓደ እኳ ናብ ሰማይ ዝኸደ የልቦን/13 

ቅዱስ ዮሐንስ ኣፈወርቅ “እዚ ኣዘራርባዚ ምስ ኒቀዲሞስ እንታይ ዘራኽብ ኣለዎ፧ ዝብል ሰብ ክህሉ ይኽእል ኢዩ፡ እቲ ዘራኽቦ ድማ እዚ ኢዩ፡ ኒቀዲሞስ ጐይታና ካብ እግዚአብሔር ዝተላእከ መምህር ገይሩ እዩ ዝሓስቦ ነይሩ፡ ስለዚ ጐይታ ንኒቀዲሞስ ንስኻ ከም እትፈልጦም ምድራውያን መምህራን ጌርካ ኣይትሕሰበኒ፡ ምኽንያቱ ብዘይካይ ካብ ሰማይ ዝመጸን ናብ ሰማይ ዝወጸን የልቦን። ብኻልእ ኣገላልጻ እዞም ኣብዚ ምድሪ እትርእዮም መምሃራን ኣብዚ ምድሪ ጥራይ ዝረኣዩ እምበር ኣብ ሰማይ የለዉን። ኣነ ግና በዚ ግዙፍ ሥጋ ብሓጺር ቊመት ብጸቢብ ደረት እንተ ርኣኻኒ ምስ ኣቦይ ብህልውና ሓደ ኢየ ኣብ ሰማይን ኣብ ምድርን ምሉእ ኢየ ሰማያዊ ሃብትን ሰማያዊ ጥበብን ገንዘበይ ገይረ ዝመጻእኩ ኣነ ጥራይ ኢየ” ማለቱ ኢዩ “ሓደ ሓደ ሰባት ንሱ ኣብ ኵሉ ምሉእ ዝኾነ መለኮት ክነሱ ከመይ ጌረካ ወረደ ይበሃል፧ ይብሉና። ንሕና ድማ ከምዚ ኢልና ንምልሰሎም “ከምዚ ዝበሃለሉ ዘሎ ወልድ ብመለኮቱ ዝፋኑ ገዲፉ ከም ዝመጸ ዘይኮነ፡ ብሥጋ ማርያም ገዚፉ ምርኣዩን ናትና ናይ ባሮቱ መልክዕ ኂዙ ምምጽኡን ንምምልካት ኢዩ። ወዲ ሰብ እናበለ ንነብሱ ምግላጹውን ንሱ  ምሉእ ሰብነት ማለት ካብ እመቤትና ቅድስት ድንግል ማርያም ፍጹም ሥጋን ፍጹም ነፍስን ምውሳዱ ንምምልካት ኢዩ” ብምባል ይትንትኖ::

ቅዱስ ኣውጉስጢን፦ ኣካይዳኦም ምስ እግዚአብሔር ዝገበሩ ቅዱሳን ዋላ እኳ ንላዕሊ እንተ ወፁ ዓለም ንምድኃን ግና ኣይወረዱን። ስለዚ ንሕናውን ክንወፅእ እንተ ደሊና ሠረገላ ይኹን ኣውሮፕላን ከየድለየና ንኽንድይብ ነቲ ከደይበና ዝወረደ ጐይታ ንእመን። ክንድይብ ምስ እንደሊ ብዘይ ብኣይ ናብ ኣብ ዝኸይድ የልቦን ከም ዝበለና ንበይንና ኺንድይብ ኣይንኽእልን ኢና። ዳግማይ ተወሊድና ናይቲ መርዓዊ ኣካላት ስለ እንኸውን ግና ምስኡ ሓደ ኣካል ስለ እንኸውን ንኽንድይብ ቀሊል ኢዩ።

 “ብእኡ ዚኣምን ኵሉ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኺረክብ እምበር፡ ከይጠፍእሲ፡ ከምቲ ሙሴ ኣብ በረኻ ተመን ዝሰቐለ፡ ከምኡ ድማ ወዲ ሰብ ኪስቀል ይግባእ እዩ” /ቁ.14-15/። 

 ቅዱስ ጎርጎርዮስ ዘኑሲስ፦ ናይዚ ናይ ዳግማይ ልደትና ምንጪ ወይውን ናይ ምውራዱ ምሥጢር መስቀል እዩ። እዞም ክልተ ምሥጢራት ማለት ናይ ጥምቀቱን ናይ ስቕለቱን ምሥጢር ክርስቶስ ነቶም እንጸልኦ እኳ ድንቂ ዝኾነ ፍቕሩ ዘርኣየሎም ምሥጢራት እዮም። እስራኤል ዘሥጋ ኃጢአት ምስ ገበሩ ብመርዛማት ኣትማን ተደኒፎም በቲ ሙሴ ዝሰቐሎ ናይ ነሓሲ ተመን ከም ዚደኃኑ፡ ሕጂውን በቲ መርዛም ተመን (በቲ ኃጢአትን ፍዳን ዘለዎ ብዲያብሎስ) ዚተነደፉ ዅላቶም በቲ ናይ ነሓሲ ተመን (ብስቕለት ናይቲ ኃጢአትን ፍዳን ዘይብሉ ጽሩየ ባሕርይ ዝኾነ ጐይታ) ከም እንድኅን ዚተነግረ እዩ። ከነስተውዕሎ ዝግብኣና ነገር ግና ብዙኅ ጊዜ ተመን ናይ ክፉእ ነገር ምሳሌ እኳ እንተ ኾነ፡ ጐይታና (ክብሪ ንእኡ ይኹን) ብናይ ነሓሲ ተመን ዚተመሰለሉ ምኽንያት ክፉእ ስለ ዝኾነ ዘይኮነስ፡ ብፍቓዶ ብምሳሌ ኃጢአተኛ ሥጋ…. ንኃጢአት ብሥጋ ንምኹናን” ስለ ዝመጸ እዩ።  /ሮሜ.8፡3/::

ምኽንያቱ፦ ኣምላኽ፡ በቲ ሓደ ወዱ ዝኣመነ ዅሉ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኺረክብ እምበር፡ ከይጠፍእሲ፡ ንወዱ በጃ ኽሳዕ ዚህብ፡ ክሳዕ ክንድዚ ንዓለም ኣፍቀራ” /3፡16/ ስለ ዝብል፡ ናይ ዘለዓለም ሕይወት ኪህበና ዝኽእል ንሱ ዘለዓለማዊ ስለ ዝኾነ እዩ። ትንሣኤ ሕይወት ዝህበና ንሱ ትንሣኤ ሕይወት ስለ ዝኾነ እዩ። ንሕና ዋላ እኳ ጭቃን ሓመድን እንተ ኾንና ብኸምኡ (ብዘይ ምኽንያት) ኣፍቀረና። ንኣና ንምልኣኽ ነቲ ሓደ (ናይ ባህርይ) ወዱ ደኣ እምበር፡ ሓደ ካብ ባሮቱ ወይ ካብ መላእኽቲ ኣይለኣኸልናን። ዋላ እኳ ሕያውነቱ ንምቕባል ዘይግብኣና እንተኾንና ብኸምኡ ደሙ ኣፍሰሰልና ቅዱስ ዮሐንስ ኣፈወርቅ፡፡

ኣምላኽ ንወዱ፡ ዓለም ብእኡ ኽትድሕን እምበር፡ ንዓለም ኪፈርዳስ ኣይለኣኾን /17/

 ብኻልእ ኣገላልጻ ኣብ ሥጋዊ፡ ኢድ ንዘይብሉ ኢድ፡ እግሪ ንዘይብሉ እግሪ፡ ዓይኒ ንዘይብሉ ዓይኒ፡ ኣበ መንፈሳዊ ድማ ተኃድገ ለኪ ኃጢአትኪ፡ ኃጢአትኪ ተኃዲጉልኪ፡ ተኃድገ ለከ ኃጢአትከ፡ ኃጢአትካ ተኃዲጉልካ ሎሚ ኣብ ገነት ምሳይ ኣሎኻ እናበለ ኼድኅኖን ካሕሳ ኺኸፍለሉን ደኣ እምበር ኣብቲ ኣቐዲሙ ዝፈረዶ ፍርዲ ኺፈርዶ ኣይመጸን። 

ስለዚ “ብእኡ ንዚኣምን ኣይፍረዶን። ነቲ ዘይኣምን ግና፡ ብስም ሓደ ወዲ ስለ ዘይኣመነ፡ ድሮ ተፈሪድዎ አሎ /18/። 

 ዘይኣመነ ዘበለ ኵሉ ዋላ እኳ ትንሣኤ እንተ ሃለዎ ትንሣኤ ለዘሐሳር እዩ። ድሮ ተፈሪድዎ ኣሎ ኽብል ከሎ ድማ ኣቐዲሙ ንኸምኡ ተወሲኑ እዩ ማለት ዘይኮነስ፡ ኣቐዲሙ ብዘይ ምእማኑ ትንሣኤኡ ንፍርዲ እዩ ማለት እዩ።  

“እቲ ፍርዲ እዚ እዩ፥ ብርሃን ናብ ዓለም መጸ፡ ሰብ ግና፡ ግብሮም ክፉእ እዩ እሞ፡ ካብ ብርሃንሲ ጸልማት ፈተዉ” /19/።

 ቅዱስ ዮሐንስ ኣፈወርቅ:- “እዚ ማለት” ይብል ክርስቶስ ኣነ ንዓለም ኪፈርድ መጺአ እንተ ዝኸውን፡ ሰባት ንዘይ ምእማኖም ምኽንያት ምረኸቡ ነይሮም። እንተ ኾነ ግና ኣመጻጽኣይ ንወዲ ሰብ ብምሉኡ ካብ ጸልማት ናብ ብርሃን ንኸውፅእ እየ ዝመጻኹ፡ ናብ ብርሃን ናባይ ንኽመጹ ማለተይ ብኣይ ክኣምኑ ፍቓደኛታት ዘይኮኑ ኸኣ ኺፍረዶም እዩ፡ ስለ ዚተፈረዶም ከኣ ምኽንያት የብሎምን።

ክፉእ ዚገብር ዘበለ ብርሃን ይጸልእ እዪ እሞ፡ እቲ ግብሩ ምእንቲ ኸይዝለፍ፡ ናብ ብርሃን ኣይመጽእን። እቲ ሓቂ ዚገብር ግና፡ ብኣምላኽ እተገብረ እዩ እሞ፡ ግብሩ ምእንቲ ኺግለጽ፡ ናብ ብርሃን እዩ ዚመጽእ /20-21።

 ስለዚ ኣኅዋተይ! ጸልማት ከይጋርደና ናብ ብርሃን ንምምጻእ ንፍጠን፡ ምእንቲ ኺንድኅንሲ ንንቃሕ፡ ጊዜ እንከለና ንተንሥእ፡ መዓልቲ እንከለና ብርሃን እናብርሃልና ንንቃሕ፡ መዓልቲ ዚተባህለ ኸኣ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ። ናብኡ እንተመጺና ኃጢአትና ኪኅደገልና እዩ። ዋላ ሓንቲ ጽድቂ ከይሃለወና ኣብ ጥራሕ ኢድና ርእስና ልዕል ልዕል ነብል እንተዄንና ግና፡ ኵሉ ትርፉ ኣብ ጸልማት ምትራፍ ስለ ዝኮነ፡ ናብቲ ብርሃን ክርስቶስ ንውፃእ። ሰብ ናይ ፍቓድ እግዚአብሔር ፍጥረት እዩ። ኃጢአት ድማ ውፅኢት ናይ ፍቓድና እዩ። ስለዚ ንሕና ዝገበርናዮ ኃዲግና ናብቲ እግዚአብሔር ዚገበረልና ናይ ፍቕሪ ሥራሕ ንውፃእ። ናትና ሥራሕ ጐደሎ ከም ዘለዎ ምስ ፈለጥና፡ ናብቲ ጐደሎ ዘይብሉ ናይ እግዚአብሔር ሥራሕ ንቐልጥፍ። ንስሓ ናይ ጽቡቕ ነገር መጀመርታ እያ፡ ሰብ ኣብ ውሽጢ ጸልማት ከም ዘሎ ምስ ዝፈልጥ (ኣብ ኃጢአት ማለት እዩ) ይቕሬታ (ምሕረት) ከም ዘድልዮ ኸኣ ኺፈልጥ እዩ። 

 ጐይታና ኣቐዲሙ ናይ ኣይሁድ ፋሲካ ምስ ኮነ ናብ ኢሩሳሌም ከደ። ዝኸደሉ ምኽንያት ድማ ነቲ በዓል ዝመጹ ኣይሁድ ተኣምራቱ ርእዮምን ትምህረቱ ሰሚዖምን ንኽኣምኑ ኢሉ እዩ። ሕጂ ድማ ናብቶም ካብ ዮሓንስ ኪጥመቑ ኢሎም ዚተኣከቡ ሰባት ናብ ፈለገ ኦርዳኖስ ይኸይድ። ኣካይዳኡ ድማ ነቶም ኣብኡ ዚነበሩ ሰባት ብዛዕባ ወንጌለ መንግሥት ኺሰብከሎም ይግባእ ስለ ዝነበረ እዩ። ስለዚ ኸኣ ወንጌላዊ ዮሓንስ፦

 “ድኅርዚ ኢየሱስ ምስ ደቀ መዛሙርቱ ናብ ምድሪ ይሁዳ ኸደ፡ ኣብኡ ኸኣ ምሳታቶም ይመላለስን የጥምቕን ነበረ” /22/ ይብለና።

 ቅዱስ ዮሐንስ ኣፈወርቅ፦ “የጠምቕ ነበረ” ኺበሃል ከሎ ኣብ ደቀ መዛሙርቱ ኃዲሩ የጠምቕ ነበረ ማለት እዩ እምበር ንሱ ባዕሉስ ኣየጠመቐን /ዮሓ 4፤2/። ስለ ምንታይ ከ ዘየጥመቐ? እንተበልና መጥምቀ መለኮት ዮሓንስ ከም ዚነገረና ጐይታና ብኃውን ብመንፈስ ቅዱስን ስለ ዘጥምቕ እዩ። መንፈስ ቅዱስ ድማ ጌና ኣይወረደን ነይሩ /ዮሓ 7፡39/። “ደቀ መዛሙርቱ ኸ ንምንታይ ኣጠመቑ፧” እንተበልና ድማ እቲ ሕዝቢ ኣብ ክንዲ ናብ ዮሓንስ ናብ ሓዋርያት ኪመጽእ ስለ ዝግባእ እዩ። “ንምንታይ ከ ዮሓንስ ምጥማቕ ዘየቋረጸ?” እንተ በልና ድማ ናይ ዮሓንስ ደቀ መዛሙርት “መምህርና ዮሓንስ ምጥማቕ ካብ ዘቋረጾ፡ ከምቲ ናይ ክርስቶስ ደቀ መዛሙርቲ ዘጥምቑ ዘለዉ ንሕና ድማ ኼነጥምቕ ኢና” ኢሎም ሽግር ምፈጠሩ ነይሮም፡፡

ስለዚ ድማ “ወሀሎ ዮሐንስኒ ያጠምቅ በሄኖን በቅሩበ ሳሌም በማዕዶተ ዮርዳኖስ- ዮሓንስ ገና ናብ ቤት ማእሰርቲ ኣይኣተወን ነበረ እሞ፡ ኣብ ሄኖን ኣብ ጥቓ ሳሌም ብዙኅ ማይ ስለ ዝነበረ፡ ዮሓንስ ኣብኡ የጥምቕ ነበረ፡ ይመጹን ይጥመቑን ከኣ ነበሩ /.23-24/። 

 ቅዱስ ኣውግስጢን፦ ኣብዚ ጊዜ እዚ አርድእተ ዮሐንስ መምህሮም ዘጠመቖም ሰባት ናብ ጐይታ ኽኸዱ እንከለዉ፡ ናይ ጐይታ ደቀ መዛሙርት ዘጠመቖም ግና ናብ ዮሓንስ ከም ዘይከዱ ኣስተውዓሉ። በዚ ምኽንያት ናይ ዮሓንስ ደቀ መዛሙርት “ናይ መን ጥምቀት ስለ ትበልጽ እያ?” ኢሎም ድንግርግር ክብሎም ጀመረ። ብኢድ ዮሓንስ ተጠሚቖም እንተ ኾነ ግና ከምቲ ዮሓንስ ዚነገሮም ናብ ጐይታ ዝኸዱ ዚነበሩ ኣይሁድ ረኺቦም ከኣ “ናትኩም መምህር እሞ መስኪሩ ኃሊፉ እዩ” ምስ በልዎም ብዛዕባ ምንጻሕ ኣብ ማእከሎም ክርክር ኮነ /25/። 

ስብከት ጾም ብድምፂ


Thursday 16 February 2017

ትምህርተ ጾም ዘኦርቶዶክስ 6ይ ክፋል

1.7.6.1 ምጅማር ናይ ዓቢ ጾም ምኽንያት ብምግባር ብቕዱስ ዮሓንስ ኣፈወርቅ ዚተዋህበ ትምህርቲ 


ናይ እግዚአብሔር ቤተ ክርስቲያን ከምዚ ኢላ ብደቃ ኪትደምቕ፡ ንስኻትኩምውን ናብዚ ቕዱስ ጉባኤ ደስ ኢሉኩም ተኣኻኺብኩም ኪትመጹ ርእየ ኣዝዩ ደስ ኢሉኒ ኣሎ። ገጽኩም ከመይ ኢሉ ብሓጐስ መሊኡ ከም ዘሎ ርእየ ጥበበኛ ሰሎሞን “ልቢ ደስ ኪብሎ እንከሎ ገጽ ይበርህ” ከም ዚበለ ልብኹም ማዕረ ኽንደይ ተሓጕሱ ኸም ዘሎ ተገንዘብኩ (ምሳ 15፡13)። ሎሚ ኣንጊሀ ዚተንሣእኹ ካብ ናይ ወትሩ ብዚተፈለየ ትግሃት እየ። እዚ ድማ እዚ መንፈሳዊ ሓጐስ ምሳኻትኩም ንኽካፈልን ዚቕጽል ኣዋርኅ ቊስለ ነፍስኹም ድኅነት ዚረኽበሉ ወርኀ ጾም  ምዃኑ ንኸበሥረኩምን እየ። ናይ ኵላትና ጐይታ ልዑል እግዚአብሔር ልክዕ ከም ሓደ ሕያዋይ ኣቦ፡ ኣብ ዚኃለፉ ኣዋርኅ ንዚሠራሕናዮ ኃጢአት ሥርየት ንኽንረኽበሉ ሽቶ መድኃኒት ዝኾነ ቅዱስ ጾም ኣዳለወልና።

 ስለዚ ናይ ነፍስና ሓላዊ (እግዚአብሔር)  ናይ ሕማምና ፈውሲ እንረኽበሉ መድኃኒት ስለ ዘዳለወልና እናመስገንና ነዚ ወርኀ ጾም ደስ ኢሉና ኺንቅበሎ ይግበኣና። ካባና ጾም ብምእታዉ ሓደ እኳ ዚሓርቕ ወይ ዚበሳጮ ኪህሉ ኣይግበኦን። ነዚ ወርኀ ጾም ከምዚ ደስ ኢሉና ኺንቅበሎ ርእዮም ኣሕዛብ ይኅፈሩ። ኣይሁድውን ይርዓዱ። ኣባናን ኣብኣቶምን ሰፊሕ ፍልልይ ከም ዘሎ ርእዮምውን ይመሃሩ። ናይ እግዚአብሔር ቤተ ክርስቲያን በዓል እትሠርዕ ምእመናን ነብሶም ገቲኦም ምእንቲ ኪኸእሉ፡ ብሠናይ ምግባር ዘጌጹን ዚተሸለሙን ንኺኾኑ ከም ዝኾነት፡ ንሳቶም ግና በዓላት ብደርፍን (ብጓይላን) ብስኽራንን ነዚ ብዚኣመሰለ ካልእ ጽዩፍ ግብሪን ከም ዘብዕልዎ ፈልዮም ይፍለጡ። ብርግጽውን በዓል ተኸቢሩ ዚበሃል ሰባት ነፍሶም እንተድኃንሉ፡ ውሽጣዊ ሰላምን ፍቕሪ ብጻይን ገንዘቦም እንተ ጌሮምሉ፡ ዕለት ዕለት ካብ ዘጋጥሞም ናይ ነፍሲ ሁከት እንተ ዓሪፎምሉ፡ ብዘይ ሆይሆይታን ዕግርግርን ከምኡውን እንስሳታት ብምሕራድ ካብ መጠን ንላዕሊ ብዝኾነ ብልዕን መስተን ርሒቖም እንተኽቢሮምዎ እዩ። ካብዚ ተወሳኺ በዓል ተኸበረ ዚበሃል ኣርምሞን ጸጥታን ፍቕርን ደስታን ሰላምን ነብስኻ ምግዛእን፡ ከምኡውን ካልኦት ኣብዚ ኪንዝርዝሮም ዘይከኣልና ብዙኃት ሠናይ ምግባራት ገንዘብና ምስ እንገብሮም እዩ።

 ኦ! ኣዝየ ዚፈትወኩም ምእመናን፡ ቅድሚ ዅሉ ነዞም ነገራት ብሰፊሑ ምእንቲ ኽንዘራረበሎም፡ ብድጋሜውን ሓደ ዘርብሓና ነገር ኂዝና ንገዛና ምእንቲ ኽንምለስ፡ ንቓላትና ብዓቢይ ትግሃትን ህርፋንን ኴንኩም ኺትቅበልዎ አተሓሳስበኩም ኣለኹ። ኵላትና ናብዚ ጉባኤ ኽንመጽእ ከለና ትም ኢልና ብዘይ ዕላማ ኣይኮንናን ንመጽእ። ወረ ንምስማዕ ኢልና፡ ወይውን እንታይ ከም ዚተባህለ እኳ ኸይሰማዕና ንምንጭብጫብ ሽዑ ሓንቲ ተርብሓና ነገር ከይኃዝና ንገዛና ንምምላስ ኢልና ናብዚ ጉባኤ ኣይመጻናን። ኣነውን ንድኅነት ነፍስኹም እትጠቅም ሓንቲ ነገር ንኽነግረኩም እየ ዚመጻኹ። ንስኻትኩምውን ኪትመጹ ኸለኹም እግዚአብሔር ኣባይ ኣብ ባርያኡ ኃዲሩ ዚነግረኩም ነገር ሰሚዕኩም ንምጥቃምን ሓደ ዚረብሕ ነገር ኂዝኩም ንገዛኹም ንምምላስ እዩ። ተመልከቱ ቤተ ክርስቲያን ማለት ቤተ ድኅነት እያ። ናብኣ ዚመጹ ድማ ንሽግሮም ዚፍውስ ግቡእ መድኀኒት ረኺቦም ኪኸዱ ኣለዎም። ተግባራዊ ዝኾነ ለውጢ ከየምጽኡ ቃለ እግዚአብሔር  ምምሃር ጥራይ ዋላ ሓንቲ ጥቕሚ ከም ዘይብሉ ከረድእ ኢሉ ቅዱስ ጳውሎስ ዚተዛረቦ ቃል ነስተውዕሎ “ኣብ ቅድሚ እግዚአብሔር እቶም ገበርቲ ሕጊ ደኣ እምበር ሰማዕቲ ሕጊ ኣይኮኑን ዚጸድቁ” (ሮሜ 2፡13

 ክብሪ ንእኡ ይኹን እሞ ኣምላኽና ኢየሱስ ክርስቶስ ኪምህር ከሎ “ናይቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ ኣቦይ ፍቓድ ዚገብር ደኣ እምበር ጐይታይ ጐይታይ ዚብለኒ ኵሉ መንግሥተ ሰማያት ዚኣቱ ኣይኮነን” ኢሉና እዩ። (ማቴ 7፡21) ስለዚ ኦ! ፍቱዋተይ፡ ቃሉ ብምስማዕ ጥራይ ዋላ ሓንቲ እንጥቀሞ ነገር ስለ ዘየልቦ፡ ዚሰማዕናዮ እንገብር እምበር እንሰምዕ ጥራይ ኣይንኹን። ከምዚ እንተኾይኑ እምነትና ሕይወት ዘለዎ እምነት ኪኸውን እዩ። 

 ስለዚ ብዛዕባ ጾም ንዚወሃብ ስብከት ንምስማዕ እዝነ ልቦናኹም ክፈቱ። ምስ ኣዝያ ትሕትን ሓፋርን መርዓት ንምንጽጻር ዚኣክል፡ ንመርዓት ኣብ ናይ መርዓ ኣዳራሽ ዚቕበልዋ ሰባት ኣቐዲሞም ነቲ ገዛ ይጸርግዎ ይሸላልምዎ። ረሳሕ ክዳን ዚተኸደነ ሰብ ናብቲ ኣዳራሽ ከም ዘይኣቱ ይገብርዎ። ናብቲ ኣዳራሽ ኪኣቱ ዝኽእል ሰብ ናይ መርዓ ኽዳን ዚተኸደነ ሰብ ጥራይ እዩ። ንስኻትኩምውን ከምዚ ኺትገብሩ ይግበኣኩም። ልቦናኹም ብምንጻሕ ኣብዚኅካ ካብ ምብላዕን ርእስኻ ካብ ዘይምግዛእን ብምርሓቕ፡ ነታ ናይ ሠናይ ምግባር ኣደን ናይ ምስትውዓልን ናይ ኵሎም ምግባራት ንግሥትን ዝኾነት ጾም ኣፍ ደገ ልብኹም ብምኽፋት ኪትቅበልዋ ይግበኣኩም። ከምዚ እንተደኣ ጌርኩም ዓቢይ ሓሴት ኺትገብሩ ኢኹም። ንሳ ድማ ቊስለ ነፍስኹም ኪትፍውሰልኩም እያ። ካልእ ምሳሌ መሲለ ኺነግረኩም፡ ሓካይም ኣብ ናይ ሕሙማን ሰብነት ዘሎ ረሳሕን መርዛም ፈሳስን ኪኣልዩ ምስ ዚደልዩ፡ መጀመርታ ነቶም ሕሙማት ምግበ ሥጋ ካብ ምውሳድ ከም ዚቑጠቡ ይገብርዎም። እቶም ሕሙማት ንጊዚኡ መግቢ ካብ ምብላዕ እንተዘይ ተኸልኪሎም ግና፡ እቶም ሓካይም ዚህብዎ መድኃኒት ከምቲ ኺርከቦ ዚግባእ ዚነበረ ውፅኢት ኣይርከቦን። ንሕና ነዛ ናይ ነፍስን ናይ ሥጋን ቊስሊ እትፍውስ ጾም ኪንቅበላ ኸለና፡ ካብዚ ንላዕሊ ኪንከውን ይግበኣና ኢለ እነግረኩም ኣለኹ። ድኅነት እንደሊ እንተዄንና ልቦናና ንጹሕን ንቑሕን ብምግባር ኪንጸውም ይግበኣና። ከምዚ እንተዘይኮይኑ ግና ካብ ጥቕማ ንላዕሊ ጕደኣታ ኺበዝኅ እዩ።

 ናይ ሎሚ ዝርርብ ንነፍሲ ወከፍኩም ጋሻን ሓድሽን ከም ዚኸውን እፈልጥ እየ። እንተኾነ ግና ብዕላማ ማለት ድኅነት ኪንረክብ ኢልና ደኣ እምበር ትም ኢልና ብልማድ ኣይንጹም ኢለ እልምነኩም ኣለኹ። መዓልቲ መዓልቲ ካብ መጠን ንላዕሊ ብምብላዕን ብስስዕን እትረኽብዎ ጥቕሚ እንታይ እዩ? ጥቕሚስ ይትረፍ እሞ ብጭራሽ ዚኸፍአ ጕደኣት እዩ ዘምጽኣልኩም። ተመልከቱ ካብ መጠን ንላዕሊ ብምብላዕን ብምስካርን ናይ ምስትውዓል ልቦና ኪዓውር ከሎ፤ ናይ ጾም ጥቕሚ ድማ ሓንቲ ምልክት ከየትረፈ የጥፍኦ። እስከ ኺሓተኩም ክሳዕ ፍርቂ ለይቲ ብዙኅ ወይኒ ካብ ዚሰትዩ፡ ኣብ ፈቐዶ ለይታዊ ትልሂት ፀሓይ ካብ እትበርቆም፡ ንዅሉ ዚረኸቦም ሰብ ደስ ካብ ዘየብሉ፡ ንቤተ ሰቦም ግዲ ካብ ዘይብሎም፡ ንርእሶም ብዘይ ምግዝኦምን ኣብ ዘይ ጊዜኡ ብዝኾነ ሓጐስ ብምሕጓሶም ምኽንያት ካብ እግዚእብሔር ተፈታውነት ካብ ዚሰኣኑ ካብዞም ሰባት እዚኦም ንላዕሊ ሕሱር (ክብሩ ዚተዋረደ) ሰብ መን ኣሎ? ቅዱስ መጽሓፍ ከምዚዶ ኣይኮነን ዝብል “ሰኽራማት መንግሥቲ እግዚአብሔር ኣይወርሱን እዮም” (1 ቆሮ 6፡10)  ወይልኦም! ከም ናይ ንግሆ ዛዕዛዕታ ንዝጠፍእ ንሱውን ከቢድ ጕድኣት ዘምጽእ ርውየት ንምርካብ ኢሎም ናይ ዘለዓለም መንግሥቲ ንዝስእኑ ነዞም ሰባት እዚኣቶም ካብ ዚረኽቦም መከራ ንላዕሊ እንታይ መከራ ኣሎ? 

 ካብዞም ኣብዚ ጉባኤ ዚተኣከብኩም ምእመናን ሓደ ሰብ እኳ በዚ ስንፍና እዚ ኽተኃዝ የብሉን። እግዚአብሔር ነዚ ፈጺሙ ኣይፈትዎን እዩ። እንተኾነ ግና ነፍሲ ወከፍ ዕለት ብትዕግሥትን ነብስኻ ብምግታእን፡ ከምኡውን ኣብዚኅካ ካብ ምብላዕ ካብ ዘምጽኦ ናይ መከራ ማዕበል ተሓሊኹም ናብ ወደብ ነፍስኹም ናብቲ ሓቀኛ ጾም ኪትበጽሑ ይግባእ። ነዚ እንተደኣ ጌርኩም ካብኣ ዚርከብ ብዙኅ ጥቕሚ ኪትረኽቡ ኢኹም። ብኻልእ ኣዘራርባ ኣብዚኅካ ምብላዕ ናይ ብዙኅ ውርደታትን ኃጢኣታትን ምንጪ ከም ዝኾነ፡ ጾም ድማ ናይ ብዙኅ በረኸትን ክብርን ምኽንያት እዩ። 

 ከም እትዝክርዎ እግዚአብሔር ደቂ ሰባት ኪፈጥር ከሎ ንድኅነት ነፍሶም ዚኸውን ሓደ መፍትሒ ከም ዘድልዮም ይፈልጥ ነበረ። እዚ ብምዃኑ ድማ ገና ካብ መጀመርታኡ ኣትኂዙ ነቲ ናይ መጀመርታ ሰብ ንኣዳም ሓንቲ ትእዛዝ ሃቦ። ከምዚ ብምባል “ኣብ ገነት ካብ ዘሎ ኵሉ ኦም ብላዕ ካብታ ጽቡቕን ክፉእን እተፍልጥ ኦም ግና ኣይትብላዕ” (ዘፍ 2፡16-17) እዚ ብዛዕባ ምብላዕን ዘይምብላዕን ዚተነግረ ኃይለ ቃል ብምሥስጢር ብዛዕባ ጾም ዚተነግረ እዩ። ምንም እኳ ሰብ ነዛ ትእዛዝ እዚኣ ኺሕልዋ እንተተዋህቦ ንሱ ግና ኣይሓለዋን። ነብሱ ምግታእ ተሳእኖ ናብ ዘይምእዛዝ ኃጢአት ድማ ወደቐ። ኣብ ርእሱ ድማ ናይ ሞት ፍርዲ ኣምጽአ። ከም ትዝክርዎ ዲያብሎስ ክፉእ መንፈስን ናትና ጸላእን ስለ ዝኾነ፡ ናይ መጀመርታ ሰብ ኣዳም ከመይ ኣብ ገነት ኪነብር ከሎ ከመይ ኢሉ ብናጽነት ከም ዚነብርን፡ ሥጋ ለቢሱ እንከሎ ከመይ ኢሉ ናይ መላእኽቲ ናብራ ኣብ ምድሪ ከም ዚነብር ተመልከተ። ከመይ ኢሉ ኸም ዚድርብዮ ድማ ሓሰበ ዓቢይ ዝኾነ ተስፋ ብምሃብ ድማ ካብ ልዕልናኡ ኣውረዶ። በዚ ምትላል እዚ ድማ ዚነበሮ ሃብቲ ኵሉ ሰረቖ። ብዓቐን ዘይምንባርን ካብ ዓቕምኻ ንላዕሊ ዚኾነ ነገር ናይ ምምናይ ጕድኣቱ ማዕረ ኽንድዚ እዩ። 

 እቲ ጥበበኛ ሰብውን ከምዚ ብምባል ግልጺ ጌርዎ ኣሎ “ብምኽንያት ቅንኢ ናይ ዲያብሎስ ሞት ናብዚ ዓለም ኣተወ” (ጥበ 2፡24) ኦ! ፍቱዋተይ፡ ገና ካብ ጥንቲ ጀሚሩ ነብስኻ ዘይምግዛእ ናይ ሞት ኣፍ ደገ ምዃኑዶ ትርእዩ ኣለኹም? ብድኅሪኡ ኣብ ዘሎ ዘመናትውን ኣብዚኅካ ምብላዕ መጽሓፍ ቅዱስ ከመይ ደጋጊሙ ከም ዚነቕፎ ኣስተውዕሉ። ኣብ ሓደ ቦታ ከምዚ ብምባል ተጻሒፉ ኣሎ “እቶም ሕዝቢ ኪበልዑን ኪሰትዩን ተቐመጡ ኪደርፉ (ኪስዕስዑ) ውን ተንሥኡ” (ዘፀ 32፡6) ኣብ ካልእ ቦታውን “በልዐ ሃጠረ እሞ ተናድሐ ሰባሕካ ረጎድካ ከረሽካ ሽዑ ነቲ ዚገበሮ ኣምላኽ ኃደጎ ንኸውሒ ምድኃኑ ነዓቖ” (ዘዳ 32፡15) ናይ ሰዶም ነበርቲ እቲ ዘይዝሕል ቊጥዓ ናብኣቶም ዘምጽኡውን ብምኽንያት እዚ ኃጢአት እዚ (ኣብዚኅካ ብምብላዕ) እዮም። ነቲ ኻልእ በደሎም እኳ ኸይገለጽና ነዚ ናይ ነቢይ ቃል ስምዑ “ናይ ኃብትኺ ሰዶም ኃጢኣት ከምዚ ነበረ እንጀራ ምጽጋብ” (ሕዝ 16፡49) ብሓጺር ኣዘራርባ ብልዒ ከም ምንጪ ማይ እዩ፡ ወይ ናይ ኵሉ ክፍኣት ሡር እዩ።

 እሞ ሕጂ ኸ ነብስኻ ዘይምግዛእ ማዕረ ኽንደይ ሓደገኛ ምዃኑዶ ኣስተውዒልኩም? ሕጂ ድማ ጾም ከመይ ዚበለ በረኸት ከም ዘመጽእ ንመልከት። ሊቀ ነቢያት ሙሴ ኣርብዓ መዓልቲ ስለ ዚጾመ ሕጊ እግዚአብሔር ዚተጻሕፈን 2 ጽላት ካብ እግዚአብሔር ከም ዚቕበል ኮነ።(ዘፀ 24፡18) ካብቲ እምባ ምስ ወረደ ግና ኣብዚኁ ዚበልዕን ኃጢአተኛን ሕዝቢ ናይ እግዚአብሔር ሕጊ እንተተቐበለ ውን ዋላ ሓንቲ ትርጕም የብሉን ብምባል ብብዙኅ ልመና ዚተቐበሎ ጽላት ካብ ኢዱ ደርብዩ ኣብ እግሪ እቲ ጐቦ ሰበሮ።(ዘፀ 32፡19) እዚ ስለ ዝኾነ ድማ እዚ ዓቢይ ነቢይ መተካእታ ናይተን ብሰንኪ ናይቲ ሕዝቢ ኃጢአት ዚሰበረን ጽላት ንምቕባል ብድጋሜ 40 ለይትን 40 መዓልትን ኪጸውም ኔርዎ።(ዘፀ 34፡28) 

 ብናይ ሓዊ ሠረገላ ተነጢቑ ናብ ሰማይ ዚዓረገ፡ ክሳዕ ሕጂውን ሞት ዘይጠዓመ እቲ ዓቢይ ነቢይ ኤልያስውን ልክዕ ከም ሙሴ ኣርብዓ ለይትን ኣርብዓ መዓልትን ጾመ።(1ይ ነገ 19፡8) ከምኡ ውን እቲ ብመንፈሱ ብርቱዕ ዝኾነ ዳንኤል ብዙኅ መዓልታት ይጸውም ነበረ። ከም ሽልማት ድማ ኣዝዩ ዘደንቕ ራእይ ተቐቢሉ እዩ። ነቶም ቊጡዓት ኣናብስ ከም ዚለማመዶም ኮነ፡ ናይ ጥንቲ ተፈጥሮኦም ተቐይሩ ዘይኮነስ ምስቲ ቊጡዕ ባህርያቶም ከምተን ለዋሃት ኣባጊዕ ከም ዝኾኑሉ ረኣየ። ከምኡ ውን ሰብአ ነነዌ ብናይ ጾም መድኃኒትነት ካብ እግዚአብሔር ምሕረት ረኸቡ። ኣብ ነነዌ ዚጾሙ ሰባት ጥራይ ኣይነበሩን እንስሳታትውን ጾይሞም እዮም። በዚ ምኽንያት ድማ እግዚአብሔር ኪገብሮ ኢሉ ካብ ዚተዛረቦ ተጣዕሰ ኣይገበሮን ድማ። (ዮና 3፡10) ኣብ ብሉይ ኪዳን ይኹን ካብ ሓድሽ ኪዳን ከምዚ ዚተጠቐሙ ብዙኃት ኪንጠቅስ ንኽእል ኢና። እንተኾነ ግና ናብቲ ናይ ኵላትና ጐይታ ዚገበሮ ኣብ ክንዲ ንመጽእ ነቶም ኣገልገልቱ እንርኢስ ንምንታይ እዩ? ከም እትፈልጥዎ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶ 40 መዓልትን 40 ለይትን ጾይሙ እዩ። (ማቴ 4፡2 ሉቃ 4፡2) ኪጸውም ከሎ ንዲያብሎስ ስዒሩ ኣርእይና እዩ። ነቲ ጠቓሚ ጾም ከም ዕጥቂ ኪንዕጠቖ ከም ዚግብኣናን፡ ካብኡ ብእንረኽቦ ጥቐሚ ነቲ ብርቱዕ ጸላኢና ኪንስዕሮ ከም እንኽእል ኣርኣያ ኮይንና እዩ።

 ኣብዚ ትምህርቲ እዚ ንነገራት ኣዕሙቕ ኣቢሉ ዚምርምርን ሓሳብ ልቡናኡ ንቑሕ ዚገበረን ሰብ “ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ልክዕ ከም ኣገልገልቱ ሓንቲ መዓልቲ እኳ ከይወሰኸ ዚጾመ ስለ ምንታይ እዩ?” ኢሉ ሕቶ ከልዕል ይኽእል እዩ። ጐይታና ነዚ ዚገበሮ ብዘይ ምኽንያት ዘይኮነ ካብ ጥበቡን ሰብ ካብ ምፍቃሩን ዚተላዕለ እዩ። እዚ ማለት ናብዚ ምድሪ ኺመጽእ ከሎ ሥጋ ከይለበሰ እዩ መጺኡ፡ ሰብ ዝኾነ ብምትሐት እዩ” ኢሎም ንዚትንሥኡ ከሓድያን ሓሳባቶም ምእንቲ ኺገትእ ልክዕ ከምቶም ኣገልገልቱ (ነቢያት) ሓንቲ መዓልቲ እኳ ከይወሰኸ ጾመ። ስለዚ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ከምዚ ኢሉ ኣብ ምግባረ ጾም እንከሎ እኳ ከምዚ ዚበለ ምኽንያት ዘምጽኡ ካብ ኮኑ፡ ካብ ምሕረቱን ለውሃቱን  ዚተላዕለ ነቲ ከምጽእዎ ዚኽእሉ ሰበብ ኣቐዲሙ እንተዘይድርብዮ’ሞ ከመይ ዚበለ ዚኸፍአ ነቐፌታ መምጽኡ ኔሮም። ብምዃኑ ድማ ናትና ባህሪ ገንዘቡ ኸም ዚገበረን ካባና ከም ዘይረሓቐን ንኺምህረና ካብቶም ቀዳሞት ኣቦታትና ከየትረፈ ኣርብዓ መዓልቲ ጾመ።

 ኦ! ኣዝየ ዚፈትወኩም ምእመናን፡ ናይ ጾም ጥቕሚ ክሳዕ ክንደይ ብዙኅ ከም ዝኾነን፡ ነፍስና ካብዚ ብዙኅ ጥቕሚ ከም እትረክብን ካብ ጐይታናን ካብ ኣገልገልቱ ነቢያትን ተማሂርና ኢና። ስለ ዝኾነ ድማ ናይ ጾም ኣዋርኅ ኺቃረብ ከሎ ሸለልትነትን ሞራል ዘይብሉ ሰብ ምዃንን ካባና ነወግድ። ንዑድ ክቡር ዝኾነ ጳውሎስ “እቲ ናይ ወፃኢ ሰብነትና እኳ እንተበስበሰ፡ እቲ ውሽጥና ኣብ ጸጽባሕ ይሕደስ ኣሎ” ኢሉ ከም ዚመሃረና ኣዚና ሕጕሳት ኴንና ኺንቅበሎ ይግበኣና እናበልኩም እልምነኩም ኣለኹ።(2ይ ቆሮ 4፡16)

 ጾም ናይ ነፍሲ መግቢ እዩ። ምግበ ሥጋ ሰብነትና ንኽገዝፍ ከም ዚገብር ከምኡ ድማ ጾም ንነፍሲ የበርትዓ። ፈጣንን መንፈሳውን ክንፊ ይህባ። ናብ ሰማያዊ ምሥጢር ኣትያ ብጽሞና ከም ትትሓዝ ይገብራ። ናይዚ ዓለም ደስታን ተድላን ከም እትንዕቕ ይገብራ። ፈኵስ ጽዕነት ዚተሰከማ መራኽብ ነቲ ባሕሪ ቀልጢፈን ከም ዚሳገርኦ፡ ኣዝዩ ብዙኅ ጽዕነት ዚተሰከማ ግና ነቲ ባሕርን ማዕበልን ቀልጢፈን ምስጋር ከምዘይከኣለን፡ ልክዕ ከምኡ ድማ ጾም ውሽጣዊ ዓይንና ከም ዚበርህ፡ ናይዚ ዓለም ፈተነታት ብቐሊሉ ኪንጻወርን ኪንኃልፎን ከም እንኽእል ናብ ሰማያዊ ምሥጢር ኪንኣቱ ከም እንኽእል ኣብኡ ዘለዉ ኺንገሩ ዘይክእሉ በረኸታት ከም ንሓስብን፡ ኣብዚ ዓለም ዘለዉ ነገራት ድማ ከም ዛዕዛዕታ ንግሆ ቐልጢፎም ዚኃልፉ ከም ዝኾኑ ከም እንግናዘብን ትገብረና።

 ብኣንጻሩ ኣብዚኅካ ምብላዕን ነብስኻ ዘይምግዛእን ድማ ኣእምሮና ዚጠፍአ ሥጋና ዚገዘፈ ውሽጥና ሰላም ዚረሓቖ ..በዚ ዅሉ እዚ ተኸቢብና ኣዝዩ ክፉእ ብዝኾነ ምግባራት ዚተተኃዝና ናይ ዘለዓለማዊ ሕይወትና ጸላእቲ ዄንና ከም እንጓዓዝ ይገብሩና።

 ስለዚ ኦ! ፍቱዋተይ፡ መብልዕን ርእስኻ ዘይምግዛእን ተኸቲሎም ዚመጹ ኃጣውእ ብምፍላጥ ምስ ድኅነትና ንዚተኃኃዙ ጉዳያት ሸለልተኛታት ኣይንኹን። ርእስኻ ዘይምግዛእ ኣእምሮ ከም ዘጥፍእን ኣዚና ኽንጋደሎ ከም ዚግበኣናን ነዚ እንተጌርና ድማ ኣኽሊልናን ሽልማትናን ብዙኅ ከም ዝኾነን ኣብ ዘመን ሓድሽ ኪዳን ጥራይ ኣይኮንናን ተማሂርና። ኣብ ዘመነ ብሉይ ውን ሰባት ኣብዚኆም ኪበልዑ ኣይፍቀደሎምን ነበረ። ርእስኻ ዘይምግዛእ ክሳዕ ክንድዚ ዚኣክል ሓደገኛ ምዃኑ ዚነግረኩም ዘለኹ ናተይ ሓሳብ ከይመስለኩም ግና ናይ ነቢይ ኣሞጽ ቃል ስምዑ “ኣብ ዓራት ስኒ ሓርማዝ ዚግምሰሱ፡ ኣብ መንጸፎም ድማ ዚጋደሙ ካብ መጓሰ ኣባጊዕ ጥቦታውቲ ካብ ደምበ ኣሓ ውን ኣባትይ ዚበልዑ ብደሃይ መሰንቆ ዚደርፉ ከም ዳዊት ድማ መሳርያ ሙዚቃ ዘዳልዉ ብገፊሕ ዋንጫ ወይኒ ዚሰትዩ ብሉጽ መኣዛ ኸኣ ዚልከዩ ብስብራት ዮሴፍ ግና ዘይጉህዩ እዮም” (ኣሞ 6፡3-6)

 ስለዚ ነቢይ ኣሞጽ ኣብ ስንፍና ፍትወትን መባልዕ ኣብ ምብዛኅን ንዚነበሩ ኣይሁዳውያን ከመይ ገይሩ ከም ዚወቐሶምን ከም ዚገሠጾምንዶ ተዓዚብኩም?  ማለተይ ነዚ ኃይለ ቃል ጽቡቕ ጌርኩምዶ ኣስተውዒልኩምዎ? ኣብዚኆም ምብልዖምን ምስታዮምን ድኅሪ ምውቃሱ ከምዚ ብምባል ይውስኽ “እዚውን ዘለዓለም ዚነብር ዘይኃልፍ ዚመስሎም”  እዚ ማለት እቲ ደስታን ፈንጠዝያን ኣብ ከናፍሮም እዩ ዘብቅዕ ካብኡ ንኔው ኪኸይድ ኣይክእልን እዩ። እቲ ሓጐስ ኣብቲ ዚርከበሉ ዚጠፍእ እዩ። እቲ ንእኡ ተኸቲሉ ዚረኽቦም ምረረ ገሃንም ግና ፈጺሙ ኣይጠፍእን እዩ። እወ ናይ ገሃንም መከራ ፍጻሜ የብሉን። ስለዚ ነቲ ዘይኃልፍ ኮይኑ ዚነብር ዚመስሎም ሓጐስ” ገና ካብ መበገሲኡ ዚጠፍእ ምዃኑ ነቲ ሓቀኛ ትርጓሜ እንፈልጦ ሽዑ እዩ።

 ሕጂ ኣብዚ ምድሪ እንምልከቶም ሥጋውያን ነገራት ልክዕ ከምቲ ደስታን ፈንጠዝያን ዚጠፍኡ እዮም። ክብርን ሥልጣንን ሃብትን ንብረትን፡ ኣብዚ ዓለም እንረኽቦም ብልጽግናታት ኵላቶም ጸኒዖም ዚነብሩ ኣይኮኑን። ኵላቶም ካብ ፍጥነት ናይ መንጫዕጫዕታ  ብዚቕልጠፍ ፍጥነት ዚኃልፉ ደኣ እዮም እምበር ካብዚኣቶምሲ ዋላ ሓደ ኳ ዘለዓለማዊ ኾይኑ ዝነብር የልቦን። መንፈሳውያን ነገራት ግና ከምዚ ኣይኮኑን ናይዚ ተቓረንቲ እዮም። ልክዕ ከምቲ ጽኑዕ ከውሒ ዘይንቀሳቐሱ እዮም። ኅልፈትን ምልዋጥን የብሎምን። እሞኸ ደኣ ጸኒዑ ዚነብር ምስቲ ቐልጢፉ ዚጠፍእ፡ እቲ ዘይነቓነቕ በቲ ዚነቓነቕ፡ ዘለዓለማዊ ብጊዝያዊ፡ እቲ ዘይኃልፍ ብኃላፊ፡ ዘለዓለማዊ ሓጐስ ዚህብ በቲ ዘለዓለማዊ ስቓይ ዘምጽእ ምልዋጥናስ ከመይ ዚበለ ዕሽነት እዩ።

 ስለዚ ዚተፈተኹም ምእመናን ድኅነተ ሥጋን ድኅነተ ነፍስን ንኽንረክብ ርእስኻ ዘይምግዛእ ካባና ነርሕቆ። ጾምን ምስኣ ዘለዉ ካልኦት ሠናይ ምግባራትን ድማ ነፍቅሮም። ካብ ሎሚ ጀሚርና ሓድሽ ናብራ ንጀምር። መዓልታዊ ሠናይ ተግባራት ምግባርውን ዘሐጕሰና ይኹን። ከምዚ መንፈሳዊ ምግባራት እንፍጽምን ናይ ሠናይ ምግባራት ሃብቲ ኣኪብና ነዚ ዓቢይ ጾም  እነኅልፍ እንተዄንና ናብ መዓልቲ ጐይታ (ናብ በዓለ ትንሣኤ ናብ ፋሲካ) ንምብጻሕ ዚተገብኣና ንኸውን። ናብቲ ኣደናቒ መኣዲ (ናብ ቅዱስ ሥጋኡን ክቡር ደሙን) ንምቕራብ ኪንክእል ኢና። ብምሕረት ናይ ጐይታናን ብጸሎትን ኣማላድነትን ናይቶም ንመፍቀሬ ሰብ ክርስቶስ ዘሐጕሱ ቅዱሳንን ርስቲ መንግሥተ ሰማያት ኪንወርስ ኢና። ንእኡን ንናይ ባህርይ ኣቡኡ ንአብን ንናይ ባህርይ ሕይወቱ ንመንፈስ ቅዱስን ክብርን ኃይልን ጐይተትነትን ሎምን ኵሉ ሳዕን ንዘለዓለመ ዓለም ይኹን ኣሜን

Wednesday 15 February 2017

ናይ ቅዱስ ዮሓንስ ኣፈወርቅ ሕይወቱን ትምህርቱን 28

10. ምምላስ ሰብነት ናይ ቅዱስ ዮሓንስ ኣፈወርቅ ናብ ቁስጥንጥንያ

 ቅዱስ ዮሓንስ ኣፈወርቅ ናይ ሕይወቱ ቅድስናን ናይ ትምህርቱ ርቱዕነትን (ቅኑዕ ትምህርቱ) ከምኡውን ብዝወረዶ 

ፍዒ ኣብ ስደት እንከሎ ኣብ መበል 60 ዓመቱ ናይ ሙማቱ ነገርን ኣብ ልቢ ናይ ክርስቲያን ብዘይርሳዕ ማኅተም ዚተቐረጸን ኵሉ ጊዜ ክትዝክሮ እንከለኻ ልብኻ ዝትንክፍን እዩ። ናይ ቅዱስ ዮሓንስ ኣፈወርቅ ወደ መዝሙር ዚነበረን ካብ 434-447 ድማ ናይ ቁስጥንጥንያ ፓትርያርክ ዚነበረን ቅዱስ ጵሮክለስ ኣብ ናይ ቅድስት ሶፊያ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ናይ እዚ ክቡር ዝኾነ መምህር (ኣብ ናይ ቅዱስ ቅዱስ ዮሓንስ ኣፈወርቅ) መዘከርታ በዓል ኣብ ጊዜ ቅዳሴ እንከሎ፡ ንቕዱስ ዮሓንስ ኣፈወርቅ ብምዝካር ከምዚ ዝስዕብ እናበለ ኪምህር ጀመረ፦ 

“ቅዱስ ዮሓንስ ኣፈወርቅ ከምቲ ዝግብኦ መጠን ብትኽክል ኪግለጽን ኪምስገንን ዝኽእል ከምኡ ዚበለ ካልእ ዮሓንስ ምስ ዚትንሥእ ጥራይ እዩ። ምእመናን ናቱ ድኻሙን ተጋድሎኡን ትምህርቱን ጽንዓቱን ኪዝክሩ እንከለዉ፡ ከምቲ ካብ ጽሩይ ምንጪ ማይ ሰትዩ ዝረወየ ሰብ ጽምኣቶም ይጠፍእ። ካብ ቅዱስ ዮሓንስ ኣፈወርቅ ዝኾነ ሰብ ናይ እግዚአብሔር ፀሓይነት ብንጹር ዝርእየሉ ናይ እግዚአብሔር ናይ ጸጋ ነጸብራቕ ወፀ፡ በዚ ኣምላኻዊ ናይ ጸጋ ናይ ብርሃን ነጸብራቕ ድማ ሓደ ሓደ ኦርቶዶክሳዊት እምነት ካብ ኑፋቔ ምጽራይ ረኣየሉ፡ ካልእ ድማ ሓቂ ካብ ሓሶት ፈልዩ ረኣየሉ፡ ካልእ ድማ ብሃይማኖትን ብምግባርን ጸንዓሉ፡ ካልእውን ዘብርህ ሰማያዊ ኽብሪ ተዓዘበሉ። ኦ! ስምካ ምጽዋዕ ካብ ኵሉ እቲ መኣዛኡ ዚመቀረ ነገር ንላዕሊ ዝኾነ ቅዱስ ኣቦና፡ ኦ! ግብርኻ ሰማያዊ ዝኾነ ኣቦና፡ ኦ! ናይ እግዚአብሔር ቃል ብዘይምሕላል ዚመሃርካ ኣፈወርቅ፡ ኦ! ካብ ሰማያት ንላዕሊ ልዕል ልዕል ዝበሉ ምሥጢራት ዚተዛረበ ልሳን፡ ኦ! ካብ ነጐዳታት ንላዕሊ ዓው ኢልካ ወንጌል ዚመሃርካ መምህር”።

 እዚ ዮሓንስ እዚ ብትኽክል ምስቲ ብዘመን ዝቕድሞን ሰባኺ ንስሓ ዚነበረን ዮሓንስ መጥምቕ ሓደ እዩ። እቲ ኣዋጅ ነጋሪ ነበረ፡ እዚ ድማ ናይ ወንጌል ቀርኒ (መለኸት) እዩ። እቲ ዘይናወጽ ነበረ፡ እዚ ድማ ዘይሰዓር እዩ። እቲ ድንግል ነበረ፡ እዚ ድማ ናይ ንጽሕና ዕዉት እዩ። እቲ ኣብ ምድረ በዳ ኣጠመቐ፡ እዚ ድማ ሰኪዐቱ ናብ ከተማታት ደርበየ። እቲ ዝሙትን ኣመንዝራነትን ገሠፀ፡ እዚ ድማ ስስዐን ፍቕሪ ገንዘብን ኪጠፍእ ከም ዘለዎ ኣጥቢቑ መሃረ። እቲ ናብ ቤት ማእሰርቲ ተደርበየ፡ እዚ ድማ ተሰደደ። እቲ ርእሱ ተቖርጸ፡ እዚ ድማ ምእንቲ ሓቂ ክሳደይ ኪቑረጽ እየ በለ። ኣብዛ ምድሪ እዚኣ ናይ ቅዱስ ዮሓንስ ኣፈወርቅ መከራታትን ገድልታትን ኣዝዮም ብዙኃት ነበሩ፡ ኣብ ሰማያት ድማ ክበሩ ኣዝዩ ብዙኅ እዩ።

 ሕጂ ምስ ሓዋርያት ኮይኑ ከምዚ እናበለ ይጭርሕ፦ “ናይ ክርስቶስ ጥዑም መኣዛ እየ፡ ንዓለም ካብ ናይ ስሕተት ክፉእ ሽታ ኣድኂነያ ኣለኹ። ኣብ ኤፌሶን ንጣዖታት ኣጥፊአዮም እየ፡ ኣብ ፍርግያ ንናይ ሓሶት ኣማልኽቲ ከም ዘይቅጽሉ ገይረዮም ኣለኹ፡ ኣብ ቂሣርያ ኣነዋሪ ዝኾነ ተግባራት ዚፍጸመሎም ዚነበረ ቦታታትን ገዛውትን ኣጥፊአዮም እየ፡ ኣብ ሶርያ ናይ ኣሕዛብ ምትእኽኻብን ከንቱ ልማዳትን ኣትሪፈዮም ኣለኹ፡ ኣብ ፋርስ ዘርኢ ቃለ እግዚአብሔር ዘሪአ ኣለኹ። ኣብ ኵሉ ቦታ ኦርቶዶክሳዊት እምነት ተኺለ ኣለኹ።” ኦ! ቅዱስ ዮሓንስ ሕይወትካ ብፈተና ዚተመልአ ኣዝዩ ዘኅዝን ነበረ፡ ሞትካ ግና ዝኸበረ እዩ። እቲ ኽቡር ሥጋኻ ዚዓረፈሉ መቓብርውን ዚተባረኸ እዩ፡ ብምሕረት ናይ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ንዝተዳለወልካ ኣኽሊል ንኽትቅበል ካብ ድኻምካ ኣዓረፍካ፡ ዋጋኻ ድማ ኣዝዩ ብዙኅ እዩ። ኦ! ዝኸበርካ ኣቦና፡ ናይ ጊዜን ናይ ቦታን ወሰን ኃሊፍካ፡ ንናይ ጠፈራት ወሰናስን ኣቋሪጽካ፡ ነዚ ናይዛ ዓለም ድኻምን ውሱንነትን ስዒርካ ኢኻ። ናይ ቅድስና ሥራሕ ምሥራሕን ተኣምር ናይ ምግባር ኃይልኻን ቦታ ዝውስኖ ስለ ዘይኮነ፡ ነዞም ኣብዛ ናይ ፈተና ዓለም ዘለና ንዓና ንደቅኻ ኣይትረስዓና።”

 እቶም ኣብ ውሽጢ ቤተ ክርስቲያን ኮይኖም ነዚ ስብከት እዚ ዚሰምዑ ዚነበሩ ክርስቲያን፡ በዚ ቅዱስ ጵሮክለስ ዚተዛረቦ ቃል ልቦም ኣዝዩ ስለ ዚተተንከየ፡ ስብከቱ ክሳዕ ዝውድእውን ኪዕገሡ ኣይከኣሉን። ኵላቶም ብሓንቲ ቓል ናይ ቅዱስ ዮሓንስ ኣፈወርቅ ክቡር ሰብነት ካብ ኮማኒ ናብ ቁስጥንጥንያ ንምምጻእ ነቲ ንጉሥ ንኽልምነሎም ኣጥቢቖም ለመንዎ። ፓትርያርክ ጵሮክለስ ድማ እቲ በዓል ምስ ተፈጸመ ብቕጽበት ናብቲ ንጉሥ ናብ ንጉሥ ቴዎዶስዮስ 2ይ (ወዲ ንጉሥ ኣርቃዴዎስ 408-450 ዓ.ም) ብምኻድ ናይ ቅዱስ ዮሓንስ ኣፈወርቅ ዓፅሚ ንኸምጽእ ኪፈቕደሎም ከምዚ ዝስዕብ ብምባል ለመኖ፦ 
 “ኦ! ንጉሥ ናይቲ ብምሥጢረ ጥምቀት ውሉድነት ዝሃበካን፡ ከምቲ ስምዖን አረጋዊ ኣብ ቤተ መቕደስ ንጐይታና ዚተቐበሎ ንዓኻ ድማ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ዚተቐበለካን ሰብነት ከም ዝምለስ ግበር። ቤተ ክርስቲያን ናባካ ከምዚ እናበለት ተልቅስ ኣላ፦ “መልክዐይ ደብዚዙ ልሳነይውን ተዓጽወ፡ እተን ብናይ ኣፈወርቅ መጓሰ ዚጓሰያ ዚነበራ ኣባጊዐይ ክፉእ ኣራዊት በቲንወን እዩ፡ ናይቲ ናተይ ልሳን ኮይኑ ዘገልግለኒ ዚነበረ ናቱ መንፈሳውያን ደቁ ጨካናት ኣራዊት ነጠቑዎም። ናይ ኣገልጋሊየይ ጸላእቲ ብቕንኣት ተላዒሎም ነቲ ናይ ቅድስና መንበሩ ኣርከስዎ። ከምቲ ነቶም ኣብ ጫካ ዘለዉ ኣግራብ ዚገብሩዎም፡ ነዚ ቅዱስ ኣቦ (ንቕዱስ ዮሓንስ ኣፈወርቅ) ብምሳር ቆሪጾም ኣብ መቓብር ትም ከም ዝብል ገበርዎ። መናፍቓን ነዚ ብዅሉ ነገር ክንስዕሮ ዘይንኽእል ዚነበርና፡ ሕጂ ንትምህርታቱ ከንቱ ኺንገብሮም ኢና፡ ምኽንያቱ ሕጂ ንሱ ንትምህርትና ኺቃወም ብሕይወት ስለ ዘየለ ይብሉ ኣለዉ፡ ኦ! ግርማዊ፡ ብዛዕባ እቲ ኣብ ኣፈወርቅ ዝኾነ ነገር ክሳእ መኣዝ እዮም ጸላእተይ ኣባይ ክላገጹ፧ ነቲ ንመርዓዊየይ ንክርስቶስ ብትኽክል ዚሰበኾን ዘንጸባረቖን ንእኡ ናባይ ምለሰለይ። ንመንፈሳዊ ኣቦኻ ናብታ መንፈሳዊት አዴኻ ናባይ ምለሰለይ። ነታ ብሥጋ ዚወለደትካ ኣይትምሰላ፡ ምኽንያቱ ልባ ምሕረት ዘይፈልጥን ፍቓዳ ድማ ናብ ክፍኣት ዘዘንበለን እያ ነይራ።  እንተ ኾነ ግና ነቲ ዝኾነ ሰብ ንእኡ ገንዘብ እንተ ዘይገይሩዎ ንእግዚአብሔር ክርኢ ዘይከኣሎ ቅድስና ተኸተል። ኣውዶክስያ ሕጂ የላን ቤተ ክርስቲያን ግና ንዘለዓለም እያ ትነብር። ኣነ ዘለዓለማዊት ኣዴኻ እየ። ንኣፈወርቅ ምለሶ እሞ ደስ ከም ዝብለኒ ግበር፡ በዚ ድማ ኣነ ኣብ ቅድሚ እግዚአብሔር ኣተዓራቒት ኪኸውን እየ። ኣፈወርቅ ኣማላዲካ ከም ዝኸውን ግበር፡ ብናይ ኣቦኻ (ብናይ ቅዱስ ዮሓንስ ኣፈወርቅ) ጸሎት ዝጸናዕካ ምእንቲ ኪትከውን፡ ወዲ ሓቂ ምዃንካ ብተግባር ኣርኢ”
 እቲ ንጉሥ ድማ ናይ ቅዱስ ጵሮክለስ ለመና ብምቕባል፡ ንሕቶ ናይቲ ሕዝቢ ከም ዚተሰማምዐ ገለጸ። ብድኅርዚ ዓበይቲ ሰበ ሥልጣናትን መኳንንትን ናይ ቅዱስ ዮሓንስ ኣፈወርቅ ዝኸበረ ዓፅሙ ንኸምጽኡሉ ካብ ብሩር ዚተሠርሐ ሳንዱቕ ኂዞም ናብ ኮማኒ ከዱ። ኣብቲ ቦታ ምስ በጽሑ ንጳጳስ ናይቲ ኸባብን ነቶም ሕዝበ ክርስቲያንን ነቲ ኽቡር ናይ ቅዱስ ዮሓንስ ኣፈወርቅ ሰብነት ከረክብዎም ከም ዘለዎም ዝእዝዝ ናይ ንጉሥ ደብዳቤ ሃቡዎም። በዚ ነገር እዚ እቲ ጳጳስን እቶም ሕዝበ ክርስቲያንን ኣዝዮም ኣምሪሮም በኸዩ።

 እንተ ኾነ ግና እቶም ነቲ ኽቡር ዓፅሙ ኪወስዱ ዚለኣኾም ሰባት ነቲ ኽቡር ናይ ቅዱስ ዮሓንስ ኣፈወርቅ ዓፅሚ ከንቀሳቕሱ ኣይተኻእሎምን፡ ካብ እምኒ ዓረ ንላዕሊ ከበዶም። ኵሉ ዓይነት ፈተነ እኳ እንተ ገበሩ ከውፅእዎ ግና ኣይከኣሉን። እሞ እዚ ቅዱስ ኣቦ ኣብዚ ኪኸውን ፈቒዱ ኸይከውን ኢሎም ብምሕሳብ፡ እቶም መኳንንቲ ነቲ ዝኾነ ኵሉ ነገር ዝገልጽ ደብዳቤ ንንጉሥ ቴዎዶስዮስ ጸሓፉሉ። እቲ ንጉሥ ድማ ምስ ፓትርያርክ ቅዱስ ጵሮክለስን ምስ ካልኦት ሕያዎት ሰባትን ምስ ተመኻኸረ፡ ብዘይ ጸሎት ትም ኢሉ ናይቲ ቕዱስ ኣቦ ዓፅሚ ከምጽኡዎ ምእዛዙ ጌጋ ምዃኑ ተረድአ። ብድኅርዚ ንቕዱስ ዮሓንስ ኣፈወርቅ ናይቲ ዝገበሮ ጌጋን ድፍረትን ይቕሬታ ዝኃዘን፡ ናብ መንበሩ ብምምላስ ነቲ መጓሰ ደስ ከብሎን፡ ልክዕ ብሕይወተ ሥጋ ከም ዘሎ ገይሩ ብምምሕን ደብዳቤ ንምጽሓፍ ወሰነ። እቲ ንጉሥ ብኢዱ ዚጸሓፎ ደብዳቤ ከምዚ ይብል፦
 “ካብ ንጉሥ ቴዎዶስዮስ ናብቲ ናይ ኵሉ ዓለም መምህር ዝኾነ መንፈሳዊ ኣቦይ ናብ ቅዱስ ዮሓንስ ኣፈወርቅ፡ ኦ! ኣዚኻ ዝኸበርካ ኣቦይ፡ ነቲ ኽቡር ሰብነትካ ከምቶ ሕይወት ዘይብሎም ከም ካልኦት ሰባት ቆጺረ ብቕልጡፍ ንኽመጽእ ኣዘዝኩ። እንተ ኾነ ግና ኣነ ነዚ ዝበቅዕ ካብ ዘይምዃነይ ዚተላዕለ፡ ከም ዝሓሰብኩዎ ኣይኮነለይን። ስለዚ ናተይን ናይዚ ሕዝብን ለመና ንኽትቅበል፡ ብሓቂ ሕያው ንዝኾንካ ንዓኻ እዚ ኣነ ባዕለይ ብኢደይ ዝጸሓፍኩዎ ደብዳቤ ለኣኽኩልካ። ኦ! ንስሓ ዚሰበኽካ ክቡር ኣቦ፡ ነቲ ንቕድስናኻ ዘይግባእ ዝፈጸምኩዎ ኵሉ በደል ኣብ ናይ ምሕረትካ መዓሙቕ ደርብየለይ፡ ተነሳሒ ንዝኾንኩ ንኣይ ይቕረ በለለይ። ናብዞም ዚፈትዉኻ ደቅኻ ተመለስ፡ ናባና ብምምጻእካውን ደስ ይበለና። ንኻልኣይ ጊዜ ምእንቲ ከይኃፍር ንኽትመጽእ ብትሕትና ደኣ እልምነካ እምበር፡ ምጻእ ኢለ ኣይእዝዘካን እየ። ኦ! ኣዚኻ ዚተፈተኻን ዚተኸበርካን ኣቦ፡ ብፍጹም ፍቕርን ደስታን ምእንቲ ኪንቅበለካስ በጃኻ ብፍቓድካ ናባና ንዓ።” 

 እቲ ንጉሥ ጽሒፉ ምስ ወድአ ነቶም መልእኽተኛታት ሃቦም እሞ ነቲ ደብዳቤ ወሲዶም ኣብ ናይ ቅዱስ ዮሓንስ ኣፈወርቅ መቓብር ንኸቐምጡዎን፡ ምሉእ ለይቲ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ጸሎት ከብጽሑ ኪኃድሩ ከም ዘለዎምን ኣዘዘ። እዚ ኣገልግሎት እዚ ምስ በጽሐ እቲ ደብዳቤ ኣብ ናይ ቅዱስ ዮሓንስ ኣፈወርቅ ሰብነት ምስ ገበርዎ፡ እቲ ኽቡር ዓፅሙ ብቐሊሉ ኪወፅእ ከኣለ። ብድኅርዚ ብዓቢይ ሓጐስ ናብቲ ብንጉሥ ዚተላእኸ ሳንዱቕ ኣእተዉዎ። ኣብ መቓብሩ ዚወደቐ ቁራጽ ጨርቂ ነበረ። ነቲ ጨርቂ ሓደ እግሩ ዚለመሰ ናይቲ ኸባቢ ድኻ ሰብ ወሲዱ ኣብታ ዚለመሰት እግሩ ጠምጠሞ። ብቕጽበት ድማ ከምታ ጥዕይቲ እግሩ ኮነትሉ እሞ ንእግዚአብሔር እናመስገነ ብሓጐስ ዘለለ።
 ሕዝቢ ናይቲ ኸባቢ ኣብ ኣእዳዎም መብራህታት ብምኃዝ ናይ ቅዱስ ዮሓንስ ኣፈወርቅ ሰብነት ንመወዳእታ ጊዜ ንምኽባር ተኣከቡ። ሰብነት ናይዚ ክቡር ኣቦ ስለ ዚተወሰዶም እናኃዘነኑን እናበኸዩን ደድኅሪኦም ብምስዓብ ነዊኅ መገዲ ኣፋነዉዎም። እቶም ነቲ ኽቡር ዓፅሙ ዝኃዙ ኣብ ናይ ኬልቄዶን ወደባት ምስ በጽሑ፡ ንጉሥ ቴዎዶስዮስ ምስ ናይ መንግሥቲ ሹማምንቲ፡ ፓትርያርክ ድማ ምስ ካህናትን ኪቚጸር ዘይክእል ሕዝብን ኣብ ጃልባ ኾይኑ ተቐበሎም። ናይ ቅዱስ ዮሓንስ ኣፈወርቅ ዓፅሚ ዝኃዘ ሳንዱቕ ኣብ ናይ ንጉሥ መርከብ ሰቐሉዎ። እንተ ኾነ ግና እተን መራኽብ ናብ ተማ ቊስጥንጥንያ ምስ ተበገሳ ብርቱዕ ማዕበል ተላዕለ። ብዘይካ እታ ናይ ቅዱስ ዮሓንስ ኣፈወርቅ ዓፅሚ ዝኃዘት መርከብ ድማ እተን ካልኦት ኵላተን በቲ ማዕበል ተበታተና። እታ ዝኸበረ ዓፅሙ ዝኃዘት መርከብ ግና ኣንፈት መሐበሪ ኮምፓስ (ብሶላ) እኳ እንተ ጠፍኣ ናብዝን ናብትን ከይበለት ብቐጥታ ናብ ወሰን ባሕሪ በጽሐት። እታ መርከብ ናብታ ብሕይወተ ሥጋ እንከሎ ዚተኸራኸረላን፡ ሓንቲ ምኽንያት ናይ ስደቱ ዚነበረትን፡ ናብ ናይ ኣታኽልቲ ቦታ ናይታ ሰብኣያ ዝሞታ ሰበይቲ በጽሐት። በዚ ድማ ዋላውን ምስ ሞተ እዚ ኣቦ እዚ ንጽድቂ ዘለዎ ቀናነት ኣረጋገጸ፡ ንግፍዒ ድማ ኣወገዘ።

 እዛ ናይ ቅዱስ ዮሓንስ ኣፈወርቅ ሰብነት ዝኃዘት መርከብ ናብ ጫፍ ምስ በጽሐት እቲ ማዕበል እናሃድአ ኸደ። ብድኅርዚ ኵለን ጃላቡ ዋላ ሓንቲ ጉደኣት ከይወረደን ብሰላም ናብታ ወደብ በጽሓ። ዓፅሚ ናይ ቅዱስ ዮሓንስ ኣፈወርቅ ድማ ካብታ መርከብ ወረደ። ሕዝቢ ኸተማ ቁስጥንጥንያ ብምሉኦም መብራህቲ ኂዞም፡ መዝሙር እናዘመሩ ብሓጐስን ብደስታን ተቐበሉዎ። እዚ ድማ ድኅሪ ዕረፍቱ ድኅሪ 30 ዓመት ማለት ብ438 ዓ.ም ኮይኑ፡ ናይ ቅዱስ ዮሓንስ ኣፈወርቅ ዓፅሚ ዝኃዘ ሳንዱቕ፡ ኣብ ናይ ሰማዕት ቅዱስ ኢሬን ቤተ ክርስቲያን ከም ዝዓርፍ ተገብረ። ንጉሥን ፓትርያርክን ነቲ ሳንዱቕ ምስ ከፈትዎ፡ ሰብነት ናይ ቅዱስ ዮሓንስ ኣፈወርቅ ዋላ ሓንቲ ከይተለወጠ ምስ ሥጋኡ ረኸብዎ። ኣዝዩ ፍሉይ ዝኾነ ጥዑም መኣዛ ድማ ካብ ሰብነቱ ይሽትት ነበረ። ቴዎዶስዮስ ድማ ልብሰ መንግሥቱ ኣውፂኡ ናብ ሰብነት ናይ ቅዱስ ዮሓንስ ኣፈወርቅ ደርበዮ እሞ፡ ርእሱ ኣብ ደረት ናይ ቅዱስ ዮሓንስ ኣፈወርቅ ገይሩ ዓይኑ ብንብዓት እናተሓጸበ ብምብካይ ከምዚ በለ፦

 “ኦ! ቅዱስ ኣቦይ፡ በጃኻ ኣባኻ ንዝተገብረ ኃጢአት ይቕረ በል፡ ብናይ ኣደይ በደልን ኣባኻ ብዝነበራ ጽልእን ኣነ ንኽቕጻዕ ኣይትኅደገኒ። ዋላ እኳ ወዲ እታ ዘሳደደትካ እንተኾንኩ፡ ኣነ ግና ዋላ ሓንቲ ኣይበደልኩን። ወዳ ስለ ዝኾንኩ ጥራይ ንኸይቅጻዕ በጃኻ! ኵሉ በደላ ይቕረ በለላ። ናይ መንግሥተይ ክብሪ ኣብ እግርኻ ደርብየ፡ ናትካ ኣማላድነትን ይቕሬታን ጥራይ እናተጸበኹ ዓቕሚ ዘይብሉ ኾይነ ኣብ ትሕቲ እግርኻ ወዲቐ ኣለኹ። እቲ ንዓኻ ዝበደለቶን ኣባኻ ዘውረደቶ ግፍዕን ይቕረ በለላ፡ ንሳ (ኣውዶክስያ) ብልሳነይ ገይራ ከምዚ እናበለት ትምሕጸነካ ኣላ፦ “ኦ! ኣቦይ፡ ነቲ በደል ናይ ሰባት ይቕረ ክንብል ከም ዝግባእ ዝመሃርካዮ ትምህርቲ ዘክር፡ ኵሉ በደለይ ኅደገለይ፡ ካብ ውድቀተይ ኪትንሥእ ይምነ ኣለኹ እሞ ናይ ረድኤት ኢድካ ዘርግሓለይ፡ ምኽንያቱ ንስኻ ‘ማንም ዝወደቐ እንተሎ ይተንሥእ እሞ ይድኃን’ ኢልካ ኢኻ። መቓብረይ እኳ ንኣጽምተይ ዕረፍቲ ኣይሃቦን እሞ፡ ሕጂ ናትካ ሽግርን ኃዘንን ኪሽከም ኣይክእልን እየ። ኣብ ጊዜ ፍርዲ ኣብ ጸጋም ክርስቶስ ከም ዝቐውምን፡ ዘለዓለማዊ ቅጽዓት ከም ዝጽበየንን ስለ ዝፈልጥ ኣብ ከቢድ ጭንቀት እየ ዘለኹ። ብትምህርትኻ ብዙኃት ኣድኂንካ ኢኻ እሞ ንኣይ ጥራይ ካብ ድኅነት ወፃኢ ኣይትግበረኒ። ከምቲ ንሔዋን ኣብ ልዕሊ እግዚአብሔር ከም ትለዓዓል ዚገበራ፡ ንኣይ ድማ ኣባኻ ከም ዝለዓዓል ንዝገበረኒ ንዲያብሎስ ደኣ ተበቀሎ እምበር፡ ነዛ ናባኻ ትጭርሕ ዘላ ንኣይ ኣይትግደፈኒ። ኦ! ርኅሩኅ ኣቦ፡ ኣባይ ኣይትኾሪ፡ ኣይትጨክነለይ። ኣብ ናይ ሕይወት ዘመንካ ነቶም ኣባኻ በደል ዘውርዱ ዚነበሩ በደሎም ኣይትኅዘሎም ኢኻ ዚነበርካ እሞ፡ ሕጂ ኣብ ሰማያት ምስ ኮንካ ድማ ብዝበለጸ ንዝተበደልካዮ ኣይትዘክር። ኣነ ኣብ ጊዝያዊ መንግሥቲ ኾይነ በዲለካ፡ ንስኻ ግና ኣብ ዘለዓለማዊ መንግሥቲ ዄንካ ይቕረ በለለይ፡ በደለይ ብድኅሪ መቓበር መኃረኒ። ክብረይ ብምሉኡ ኃሊፉ እዩ ሕጂ ዋላ ሓንቲ ዚጠቕመኒ ነገር የልቦን። ስለዚ ኦ! ኣቦይ፡ ናይቲ ኣብ ሰማያዊ ብርሃን ዘሎ ናትካ ረድኤት እምሕጸን ኣለኹ። ነታ ዋላ ሓንቲ መልሲ ዘይብለይ ንኣይ፡ ኣብ ቅድሚ ናይ ክርስቶስ ናይ ፍርዲ ዝፋን ከይፍረደኒ በጃኻ! ይቕረ በለለይ።”

 ነዚ ነገር እዚ ምእንቲ ኣዲኡ ኣውዶክስያ ኪዛረብ እንከሎ፡ ንሰብነት ናይ ቅዱስ ዮሓንስ ኣፈወርቅ ብንብዓት ሓጸቦ፡ብዓቢይ ኣኽብሮትን ፍቕርን ድማ ሰዓሞ። ፓትርያርክ ጵሮክለስውን ንናይ ቅዱስ ዮሓንስ ኣፈወርቅ ሰብነት ብዓቢይ ትሕትናን ፍቕርን ሰዓመ። ከምዚ ድማ በለ፦ “ኦ! ንክርስቶስ ትፈቱ ኣዚኻ ዝኸበርካ መምህር ደስ ይበልካ! ኣነ ካባኻ መንፈሳዊ ጸባ እናጠበኹ ዝዓበኹ ወድኻ እየ። ኣነ ናትካ ወራሲ መንበር ከም ምዃነይ መጠን ናተይ ኣባጊዕ ኣባጊዕካ እየን። ክሳዕ ሕጂውን ንስኻ ገዲፍካዮ ንዝኸድካ መግቢ እዮም ዝምገቡ ዘለዉ። በጃኻ ምህላውካ ግለጽ፡ ንዓናውን ተዛረበና።” እቲ ተኣኪቡ ዚነበረ ሕዝቢ ነቲ ናይ ቅዱስ ዮሓንስ ኣፈወርቅ ሰብነት ዚኃዘ ሳንዱቕ ንምትንካይ ኣዝዩ ሃረፈ። ኣብ ቤተ ክርስቲያን ጸሎት ኪግበር ከሎውን እቲ ሕዝቢ ምሉእ መዓልትን ለይትን ካብቲ ናይ ቅዱስ ዮሓንስ ኣፈወርቅ ሰብነት ዚኃዘ ሳንዱቕ ከይተፈ ኃደረ። ንጽባሒቱ ንግሆ ሰብነቱ ኣብ ሠረገላ ናይ ንጉሥ ተሰቒሉ ናብ ናይ ቅዱሳን ሓዋርያት ቤተ ክርስቲያን ተወስደ። ሰብነት ናይዚ ቅዱስ ኣቦ ዚኃዘ ሳንዱቕ ኣብ መንበረ ፕትርክናኡ ምስ ተቐመጠ፡ እቲ ሕዝቢ ብሓንቲ ቓል ኮይኑ፦ “ኦ! ኣቦና መንበርካ ተረከብ” እናበሉ ብብኽያትን ብንብዓትን ከልቅስ ጀመረ። ፓትርያርክ ጵሮክለስን እቶም ኣብ ጥቓ ሰብነት ናይዚ ቅዱስ ኣቦ ዚነበሩ ካህናትን ቅዱስ ዮሓንስ ኣፈወርቅ ኣፉ ክፍት ኣቢሉ በቲ ልሙድ ናይ ጳጳሳት ቡራኬ “ሰላም ንዅልኹም ይኹን” ክብል ረኣይዎን ሰምዕዎን።

 ኣብ ጊዜ ጸሎተ ቅዳሴ ብዙኃት ሕሙማት ብሰብነት ናይዚ ቅዱስ ኣቦ ብተኣምራት ተፈወሱ። ናይ ኣውዶክስያ መቓብር ግና ኣንቀትቂጡ ኣብኡ ሰጠመ። ኣብ መወዳእታ ድማ ሰብነት ናይ ቅዱስ ዮሓንስ ኣፈወርቅ ኣብ መቕደስ ናይ ሓዋርያት ቤተ ክርስቲያን ምስቶም ዝቐደሙ ፓትርያርካትን ነገሥታትን ብኽብሪ ዓረፈ። በረኸቱን ጸሎቱን ጣዕሙን ፍቕሩን ይኅደረና፡ ንዘለዓለምውን ኣይፈለየና፡ ኣሜን”










ቅዱስ ዮሓንስ ኣፈወርቅ ዚተቐብረሉ ሳንዱቕ ኣብ ኮማኒ ጆርጂያ ዝርከብ

ትምህርተ ጾም ዘኦርቶዶክስ 5ይ ክፋል

1.8 ትምህርተ ጾም ብሊቃውንተ ቤተ ክርስቲያን


ቅዱስ ቄርሎስ ዘኢሩሳሌም፦ “ብዛዕባ ኣመጋግባ ንዝምልከት ኺትክተልዎ ዘለኩም መምርሒኹም እዚ ይኹን፡ ምኽንያቱ ካብቶም ኣብ ጊዜ ጾም ዝምገብዎም ዓይነት ምግብታት ዚተላዕለ ዝሰናኸሉ ብዙኃት ስለ ዘለዉ።…..ካብ ሥጋን ካብ ወይንን ንኽልከል ወይውን ነዚኣቶም ብምኅዳግ እንጸውም ርኹሳት እዮም ኢልና ብምጽያፍ ኣይኮንናን። እንተ ኾነ ግና ነዞም ዝረኣዩ ንዋታውያን ነገራት ብምንዓቕን ብምግዳፍን፡ መንፈሳውን ሰማያውን ደስታ ንኽንረክብ ተስፋ ብምግባር ደኣ እምበር ተጸይፍናዮም ኣይኮንናን። ኣብ ጊዜ ጾምና ሥጋን ወይንን እንገድፍ፡ ሰማያዊ ዋጋ ካብ እግዚአብሔር ንኽንረክብ ተስፋ ስለ እንገብር እዩ። “ብንብዓት ዘሪእና ብዕልልታ ምእንቲ ኺንዓጽድ እዩ” /መዝ 126፡5/…ካብዞም ነገራት እዚኣቶም ርእስኹም ኪትክልክሉን ኪትዕቀቡን ከለኹም፡ ዚተጸልኡን ዝረኸሱን ነገርት ከም ዝኾኑ ጌርኩም ብምሕሳብ ኣይትጽሙ፡ ከምዚ ትሓስቡ እንተ ዄንኩም ጾምኩም ዋጋ የብሉን። እንተ ኾነ ግና ሥጋን ወይንን ብተፈጥሮኦም ጽቡቓት ነገራት እኳ እንተ ኾኑ፡ ምእንቲ እቶም ኣብ ቅድሜኻ ዝተዳለዉልካ ዝበለጹ መንፈሳዊ ነገራት ክትብል ኣብ ጊዜ ጾም ንኣኣቶም (ንሥጋን ወይንን) ግደፎም” /ትምህርት 4. ቊ 27/

 ቅዱስ ጎርጎርዮስ ዘእንዚናንዙ፦ “ኣዝዮም ካብ ዓቕምኹም ንላዕሊ ዝኾኑ ኣብነታት ምኽታል እንታይ ይጠቕመኩም፧ ኣብ ምግባር ኪትዋፈሩ እንከለኹም ብመጠን ዓቕምኹም ደኣ እምበር፡ ንርእስኹም ኪትገብርዎም ዘይምከሩን ልዕሊ ዓቕምኹምን ዝኾኑ ነገራት እንተ ዘይገበርኩም ጽቡቕ እዩ። ኣብ ናይ ኣፈጻጽማ ደረጃ ኣብ ወንጌል ዚተፈጸሙ ታሪኻት ሎሚ ካብቲ ናይ ሽዑ ጊዜ ፍልይ ዝበሉ ኣለዉ። ንኣብነት ክርስቶስ ዝጾመ ቅድሚ ምፍታኑ ቊሩብ ኣቐድም ኣቢሉ እዩ ነይሩ፡ ንሕና ድማ ቅድሚ ትንሣኤ ንጸውም።  ናይዚ ጾም ናይ ጊዜ ንውኃቱ ብዝምልከት እቶም መዓልታት  40 መዓልታት እዮም፡ ናይቲ ጾም ዘመን ብዝምልከት ግና ፍልልይ ኣሎ። ንኣና እዚ ጾም እዚ ምስ ክርስቶስ ናይ ሙማትና ኣምሳል እዩ። ጾምና ርእስና ንበዓለ ትንሣኤ ንምድላው ነንጽሓሉን ንቕድሰሉን መሣርሒ እዩ። ከምኡውን ጐይታና ንሱ እግዚአብሔር ስለ ዝኾነ ንኣርብዓ መዓልታት ብተኸታተሊ ጾመ። ዋላ እኳ ሓደ ሓደ ሰባት ንጾም ካብ ዘለዎም ፍሉይ ፍቕርን ቅንኣትን ተበጊሶም ጾሞም ንንውኅ ዝበለ ሰዓታትን መዓልታትን  እንተነዋውኅዎ፡ ንሕና ግና ኺንጸውም ከለና ብተኸታታሊ ዘይኮነ፡ ክሳዕ ዚተወሰነ ሰዓት እናጾምና ከም ዓቕምና መጠን ንገብር። ብተወሳኺውን ንደቀ መዛሙርቱ ምሥጢረ ቊርባን ዝሃቦም ኣብ ደርብን (ርሻንን) ድኅሪ ድራርን ቅድሚ ስቕለቱ ሓደ መዓልቲ ኣቐዲሙን እዩ ነይሩ። ናትና ግና ምሥጢረ ቊርባን ኣብ ቤተ ክርስቲያን ቅድሚ መግቢ ምብላዕናን ድኅሪ ትንሣኤን እዩ። ንሱ ዝገበሮም ነገራት ካባናን ካብቶም ንሕና ንገብሮምን ዚተፈለየ ኣይኮኑን፡ እንተ ኾነ ግና ኣፈጻጽማኦም ብዝምልከት ምስ ጊዜን ኵነታትን ፍጹም ዝኾነ ተመሳሳልነትን ሓድነትን ዘይብሎም ነገራት ኣለዉ። ኮይኑ ግና ንኣና ዚተመኃላለፉልና ንምግባርን ንምፍጻምን ዝግብኣና ነገራት ኣርኣያን መሠረትን ንኽኾኑና እዩ” /ትምህርት በእንተ ጥምቀት ቊ 30/

 ቅዱስ የሓንስ ኣፈወርቅ፦ ጾም መድኃኒት እያ። ኣወሳስዳኣ ብዝግባእ ንዘይፈለጣ ግና ጥቕሚ የብላን። ነዛ መድኃኒት እዚኣ ዝወስድ ሰብ፡ ኣብ ከ ክንደይ ሰዓት ኪትውሰድ ከም ዘለዋ፡ ክንደይ ዝኣክል መጠን ክውሕጥ ከም ዘለዎ፡ ንምንታይ ዓይነት ሕማም ከም እትጠቅም፡ ኣበየናይ ኣዋርኅን ኣብ ከመይ ዝበለ ኵነታት ኣየርን ከም ትውሰድ፡ ምስኣ ዝኸዱን ዘይከዱን ዓይነት መግብታትን ካልኦት ምስኣ ዘይሰማምዑ ነገራትን ፈልዩ ኪፈልጥ ኣለዎ።  ነዚኣቶም ኣብ ግምት ከየእተና ንወስዳ እንተኴንና ግና ካብ ጥቕማ ጕደኣታ እዩ ዚዓቢ። ሓደ ብሓኪም ዝተኣዘዘልና ናይ ደዌ ዘሥጋ መድኃኒት ብትኽክል እንተወሲድናዮ፡ ካብ ሕማምና ንፍወስ፡ ናይ ነፍስና ደዌ ንምፍዋስ ኢልና መድኃኒት ኣብ ንወስደሉ ድማ ካብዚ ብዝበለጸ ኺንጥንቀቕ ይግባእ።
 ጾም ኵለንተናና ንልውጠላ መሣርሒ እያ። ምኽንያቱ ናይ ጾም መሥዋዕቲ ማለት ካብ መግቢ ጥራይ ምኽልካል ማለት ዘይኮነስ ካብ ኵሉ ኃጢአት ምኽልካል ስለ ዝኾነ። ስለዚ ይጸውም ኣለኹ እናበለ ነብሱ ካብ መግቢ ጥራይ ዝኽልክል ሰብ እንተሎ፡ ንሱ ንጾም የቃልል ከም ዘሎ ይፍለጥ። ትጾሙ ዲኹም ዘለኹም? ከምኡ እንተኴንኩም ጾምኩም ብተግባር ኣርእዩኒ? ከመይ ጌርና ከነርእየካ? ትብሉኒ ትኾኑ። ኣነ ድማ ከምዚ ኢለ ኺምልሰልኩም እየ። እቲ ድኻ ረድኤትኩም ምስ ዝደሊ ርኅራኄ ግበርሉ። ዝጸላእኩሞ ሰብ እንተርኢኹም ጎይኹም (ቀልጢፍኩም) ተዓረቕዎ፡ ዓርክኹም ብዅሉ ነገር ዕዉት ኮይኑ ኵሉ ነገር ተደላዲልሉ እንተርኣኹም ብኡኡ ኣይትቕንኡ። ጽቡቓት ደቂ ኣንስትዩ እንተረኣኹም ንዝሙት ኣይትመነዩ። ከም’ዚ እናገበርኩም ጾምኩም ብትኽክል ኣርእዩኒ።

 ብኻልእ ኣገላልጻ ኣፍኩም ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣዒንትኹም ኣእጋርኩም ኣእዳውኩምን ኵሉ ናይ ስምዒት ህዋሳትኩምን ይጹም። ኣእዳውኩም ናትኩም ዘይኮነ ነገር ካብ ምውሳድ፡ ካብ ምስራቕ ይጹም። ኣእጋርኩም ሥራሕ ኃጢአት ንምፍጻም ካብ ምጉያይ ይጹሙ። ኣዒንትኹም ብምኽንያት ግዳማዊ መልክዕ ካብ ምቕብዝባዝ ይጹሙ። ጥልላት ኣይትበልዑን ኢኹም ዘለኹም ሓቀይ? በሉ ዝርኣዩ ነገራት ናይ ዓይኒ መግቢ ስለ ዝኾኑ፡ ብዓይንኹም ድማ ክፉእ ነገር ኣይትብልዑ። ኣእዛንኩም ውን ይጹሙ፡ ናይ እዝኒ ጾም፡ ናይ ሓሶት ወረን ሓሜትን ዘይምስማዕ ዝኣመሰሉ እዮም። ልሳንኩምውን ካብ ከንቱ ዘረባ ይጹም።  ዓሣን ካልኦት ጥልላትን ካብ ምብላዕ ተኸልኪልና ኸለና፡ ናይ ኣኅዋትና ሥጋ ብሓሜት ኪንምጅርጥ (ኪንበልዕ) ንውዕል እንተዄንና እንታይ ጥቕሚ ኣለዎ? እቲ ንኃዉ ዝሓምን ዝነቅፍን ሰብ ንሱ ናይ ኃዉ ሥጋ እዩ ዘቑስል፡ ሥጋ ኃዉውን ይበልዕ። ነዚ ኽብል ድማ እዩ እቲ ሓዋርያ ኣዝዩ ብዘፍርህ ነገር ከምዚ እናበለ ዝተዛረበ “ንሕድሕድኩም እናተነኻኸስኩምን እናተበላላዕኩምን፡ ንሕድሕድኩም ከይትጠፋፍኡ ተጠንቀቑ”(ገላ 5፡15)። ኪትሓምዩ ከለኹም ናይ ኃውኹም ሥጋ ብስንኹም ኣይትነኽሱን ኢኹም። ንነፍሱ ግና ተቚስልዋ። ከምዚ ብምግባርኩም ድማ ንነብስኹምን ንኃውኹምን ንካልኦት ብዙኃትን ኢኹም ትጐድኡ።

 ልሳንኩም ክፉእ ነገር ካብ ምዝራብ እንተዘይጾመ፡ እቲ ጕደኣት በዚ ጥራይ ኣይኮነን ዝሕጸር። ብሓሜትኩም ንዓኻትኩም ዚሰምዕ ኃውኹምውን ናታትኩም ተሓባባሪ ይኸውን። በዚ ምኽንያት ንእኡውን በደለኛ ትገብርዎ። ናይ ነብሱ ኃጢአት ከም ዘይርኢ ስለ ዝገበርኩሞ፡ ከይፈለጠ ምስ ናይ ጉጅለ ሓመይቲ ይሕወስ። ካብዚ ጀሚሩ ናይ ካልኦት ኣኅዋት ኃጢአት እናጸብጸበ፡ ንሱ ግና ጸዋሚ ብምዃኑ ዓቢይ ናይ ጽድቂ ሥራሕ ከም ዝፈጸመ ኾይኑ ስለ ዝስምዖ ይኾርዕ።

 ምስዚ ጎኒ ንጎኒ ክርአ ዝግብኦ ካልእ ዓቢይ ጉዳይውን ኣሎ። ንሱ ድማ ንስኻትኩም ንኃውኹም ኪትሓምዩ ኸለኹም ዝሰምዑኹም ሰባት፡ ነቲ ትሓምይዎ ዘለኹም ኃውኹም ብምንቃፍ ጥራይ ደው ኣይብሉን እዮም። እንታይ ደኣ ብኣጠቓላሊ እንኮላይ ንቤተ ክርስቲያን እዮም ዚነቕፉ። ብፍላይ እቶም ዚሰምዕኹም ዘለዉ ኢኣማንያን (ዘይኣመንቲ) ምስ ዝኾኑ፡ ነቲ ዚሕመ ዘሎ ሰብ ጥራይ “ኣመንዝራ” ብምባል ደው ኣይብሉን እዮም። ካብኡ ኃሊፎም ቤተ ክርስቲያንውን ናይ ኣመንዝራታት ቤት ጌሮም ይሓስብዋ፡ ላቲ ስብሐት! ስለዚ ከምዚ ኺትገብሩ ኸለኹም ስም እግዚአብሔር ኢኹም ተጽርፉ። ንሕና ጽቡቕ ምግባር ኪህልወና እንከሎ ስም እግዚአብሔር ብኣና ምኽንያት ከም ዝምስገን፡ ክፉእ ነገር ክንገብር ከለና ድማ፡ ብኡ መጠን ስሙ ይዋረድን ይጽረፍን።

 ብተወሳኺውን እዚ ትሓምይዎ ዘለኹም ኃውኹም፡ ብልቡ ንኣኹም ኪጸልእ ከም ዝጅምርን ዝገደደ ኃጢአት ንኽሠርሕን ኢኹም ትደፋፍእዎ። በዚ ምኽንያት ኣብ ዘይምልከተኩም ነገር ኢድኩም ብምስዳድ ኣብ ገዛእ ርእስኹም  ፍርዲ እግዚአብሔር ተምጽኡ። እሞ ኸኣ ኣብ ናይ ጾም ኣዋርኅ!
 ካባኻትኩም “ብዛዕባ ኃወይ ሓሶት ዘይኮነ ማለት ንሱ ብሓቂ ዝገበሮ ክፉእ ነገር (ዋላ ዝሠርሖ ኃጢኣት) እንተተዛረብኩኸ እንታይ ነውሪ ኣለዎ?” ዝብል ሰብ ክህሉ ይኽእል እዩ። ግዲ የብልኩምን! እቲ ተውርይዎ ነገር ዋላ እኳ ሓቂ ይኹን፡ ሕጂ ውን ዘረባኹም ካብ ነቐፌታ ኣየምልጥን እዩ። ከመይ ገይሩ? ኢልኩም ኪትሓቱኒ ስለ ትኽእሉ፡ ሓደ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ምሳሌ ኪህበኩም እሞ ዘረባኹም ከመይ ገይሩ ክፉእ ምዃኑ ኪርደኣኩም እዩ። ኣብ ወንጌል ሉቃስ (ምዕራፍ 18) ንረኽቦ ሓደ ፈሪሳዊ ኣሎ። እዚ ፈሪሳዊ እዚ ብዛዕባ ኃዉ ዝተዛረቦ ነገር ሓቂ እዩ። ሓቂ ስለ ዝተዛረበ ግና ተጠቒሙዶ ወይ ተጐዲኡ? ፍጹም ኣይተጠቐመን! ከምዚ ብምባሉ (ከም ናትኩም ኣዘራርባ ሓቂ ብምዝራቡ) ጥራይ ኢዱዶ ኣይኮነን ዝተመለሰ? ብምጻሙን ብምጽላዩን ከ እንታይ ጥቕሚ ረኺቡ? እስከ ሕጂውን ኪሓተኩም እሞ ንስኻትኩም ድማ መልሱለይ። እቲ ቐራጺ (ተቐባሊ ቐረጽ) ኃጢኣተኛዶ ኣይኮነን ዚነበረ? ካብ ወንጌል ከም ዘንበብናዮ እቲ ቐራጺ ኃጢአተኛ ከም ዚነበረ ብሩህ እዩ። እንተኾነ ግና እቲ ፈሪሳዊ ኣብ ናይ ጾም ጊዜኡ ናይ ርእሱ ኃጢአት ኣብ ክንዲ ዝሓስብ ንኃዉ ይሓሚ ስለ ዝነበረ ናይ ጾሙ ዋጋ ከይተቐበለ ባዶ ኢዱ ንገዝኡ ተመልሰ።

 ኣኅዋተይ! “እከለ እኳ ከምዚን ከምቲን ኃጢአት ገይሩ እዩ” ኢልኩም እትሓምይዎ ኃውኹም፡ ካብቲ ኃጢኣቱ ኽወፅእዶ ትደልይዎ ኢኹም? ትደልዩ እንተዄንኩምሲ ስለ ኃጢአቱ ኣልቅስሉ፡ ናብ እግዚአብሔር ጸልይሉ፡ ንበይኑ ወሲድኩም ምኸርዎ እምበር ኣይትሕመይዎ። ሓዋርያ ጳውሎስ ንሰብ ቆሮንጦስ “ንርእስና ኣባኻትኩም ከም እነመጻርያ ካብ ቀደም ኂዝኩም ትሐስቡ ኔርኩም። ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ብክርስቶስ ኢና እንዛረብ ዘሎና። ግናኸ፡ ኣቱም ፍቑራተይ፡ ኵሉ ንምሕናጽኩም እዩ። ክመጽእ ከሎኹ፡ምናልባሽ ከምቲ ኣነ ዘይደሌኽዎ ዄንኩም፡ ከይረኽበኩም፡ ንኣይውን ከምቲ ዘይትደልይዎ ዀይነ ኸይትረኽቡኒ፡ ምናልባሽ ባእሲ፡ ቅንኢ፡ ኵራ፡ ሻራ፡ ሕሜት፡ ሕሽዅሽዅ፡ ምንፋሕ፡ ህውከት ከይህልወኩም እፈርህ ኣሎኹ። ክምለስ ከሎኹ፡ ኣምላኸይ ኣብ ቅድሜኹም ከየዋርደኒ፡ ኣነውን በቶም ቀደም ኃጢኣት ዝገበሩ እሞ ካብቲ ዝገበርዎ ርኽሰት ምንዝርን ዕብዳንን ዘይተነስሑ ብዙኃት ከይጕሂ፡ እፈርህ ኣሎኹ” ኢልዎም ነይሩ /2ይ ቆሮ 12፡19-21/። ስለዚ ከም ናይ ቅዱስ ጳውሎስ ብዓቢኡ ድማ ከም ናይ ጐይታና፡ ኃጢአተኛ እዩ ንትብልዎ ኃውኹም ኅዘኑሉ ኣፍቅርዎ ድማ።

 ንበይኑ ጌርኩም ኪትመኽርዎ ኸለኹም ድማ፡ ንእኡ ንምምካርን ንምግሣፅን ካብ ኃጢአቱ ንምምላሰን እምበር፡ ንእኡ ካብ ምጽላእ ዝተላዕለ ከም ዘይኮንኩም ኣረድእዎ። ስለዚ ብትኽክል ንእኡ ካብ ሕማሙ ኪትፍውስዎ ምስ ትደልዩ፡ ናብኡ ንምኻድ ኣይትፍርሁ፡ ጌጋኡ ንምንጋርውን ኣይትፍርሁ፡ ሓካይም ርኢኹም እንተኾንኩም፡ ንሓደ ኣሸጋሪ ሕሙም ንምሕካም፡ መጀመርታ ቀስ ኢሎም ጊዜ ወሲዶም ነቲ ሕሙም የእምንዎ። ብድኅሪኡ ነቲ መሪር መድኃኒት ይህብዎ። እቲ ሕሙም ሕማሙ ዝፍወስ ሕማም እንተኔሩ ይፍወስ። ነቲ ሓኪም ዘመስግኖ ግና ምስ ደኃነ እዩ። ንስኻትኩምውን ከምዚ ሓኪም ኪትኮኑ ኣለኩም። ኣብ ክንዲ ትሓምይዎ ናይ ኃውኹም ቊስሊ ብዝገደደ ከይረክስ ቀልጢፍኩም ናብ ሕክምና (ናብ ቤተ ክርስቲያን) ውሰድዎ። ሓኪም (ካህን) ከም ዝርእዮ ድማ ግበሩ። ከምዚ እንተጌርኩም ንስኻትኩምን ኃውኹምን ኣዚኹም ኪትጥቀሙ ኢኹም። ሓቀኛ ጾም ጸዊምኩም ማለት ድማ እዚን ከምዚ ዚኣመሰለ ሠናይ ምግባርን ምስ ትገብሩ እዩ።

 ንሓመይቲ ጥራይ ዘይኮነ፡ ክፉእ ዘረባ ንዝሰምዑ ኵላቶም ኣእዛኖም ካብዚ ርስሓት እዚ ንኸርሕቁ እነግር ኣለኹ። ምስ ዘማራይ ዳዊት ብምዃን ከምዚ በሉ “ነቲ ንብጻዩ ብኅቡእ ዚሐሚ ኤጥፍኦ” (መዝ 101፡5) ካባኻትኩም ኃዉ ንምሕማይ ዝመጸ እንተሎ፡ ከምዚ ኢልኩም ንገርዎ “ብዛዕባኡ ጽቡቕ ነገር ትዛረበሉ፡ ወይ ድማ ተመስግኖ ኃው እንተሊካ ዘረባኻ ንምስማዕ ኣእዛነይ ክፉታት እየን። ክፉእ ዘረባ ክትዛረብ እንተኾንካ ግና ነዚ ርሥሓት እዚ ናብ እዝነይ ከእቱ ፍቓደና ኣይኮንኩን። ኃውኻ እከይ ምዃኑ እንተነገርካኒ እንታይ ይጠቕመኒ? እኳ ደኣ ከምዚ ብምግባርካ ነብሰይ ንኽጐድእን ነቲ ዝነበረኒ ንኸጥፍእን ኢኻ ትገብረኒ። ስለዚ ክቡር ኃወይ! ብዛዕባ ክፍኣት ናይ ኃውና ካብ ንዛረብ፡ ብዛዕባ ኃጢኣትና ነዕልል። እቶም ዝሠራሕናዮም ኃጢአታት ከመይ ጌርና ይቕሬታ ከም እንረኽበሎም ንሕሰብ። ብዛዕባ ኃጢአትና ጥራይ እንተ ንዘራረብ ንኣና ኣዝዩ ጠቓሚ እዩ። ኃወየ! ንገረኒ እስኪ? ኣብ ዓይንና ዘሎ ጕንዲ ዘየውፃእና በቲ ኣብ ዓይኒ ኃውና ዘሎ በሰር ምዝራብና ዝግበረልና ምሕረት ይህሉዶ ይኸውን? ንምንታይ ከ ኣብ እዝነ ልቦናና ካልእ ኵኵዕ ንውስኽ?,..”

 ስለዚ ነዚ ፈሊጥና ብዅለንትናና ንጹም። ክፉእ ካብ ምዝራብ ንጹም፡ ክፉእ ካብ ምስማዕ ንጹም፡ ክፍእ ካብ ምርኣይ ንጹም፡ ናብ ክፉእ ካብ ምኻድ ንጹም፡ ክፉእ ካብ ምግባር ንጹም።

 ናይ ኣዋጅ ጾም ኪኣቱ ከሎ፡ መንፈሳዊ ናይ ሓጋይ ኣዋርኅ ከም ዝኣተወ ነስተውዕል። ናይ ኵናት መሣርሒና ንወልውል። ካብ ሕርሻኦም ምህርቶም ዝእክቡ ሓረስቶት ማዕጺዶም ይስሓሉ። ነጋዶውን ገንዘቦም ብኸንቱ ካብ ምብኻን ይከልከሉ። ናብ መንግሥቲ እግዚአብሔር ንምእታውውን መገዶም የቕንዑ። ናብ መንግሥቲ እግዚአብሔር ትወስድ ጐደና ቀጣንን ጸባብን ስለ ዝኾነት ብጥንቃቐ ኣስተውዒልና ንጓዓዝ።

 ኣኅዋተይ! ብሕማም ምኽንያት ካብ መግቢ ብዘይ ምኽልካልና ዝወቕሰና ኣእምሮ ዘለዎ ሰብ የልቦን። ካብዚ ብተወሳኺ ድማ ለዋህን ፈታዊ ሰብን ልዕሊ ዓቕምና ዝኾነ ሸኸም ዘይጽዕነና ኣምላኽ እዩ ዘለና።  ናቱ ፍቓድ ንሕና ካብ መግቢ ንኽንክልከል፡ ወይ ትም ኢልና ሰብ እንታይ ኪብለኒ ኢልና ጥራይ ንጸውም፡ ወይ ከብድና ባዶ ኾይኑ ናይ ጥሜት ስምዒት ከም ዝስምዓና ምግባር ኣይኮነን። እንታይ ደኣ ካብ ዝኾነ ዓይነት ክፉእ ተግባር ጸዊምና ንትሩፋተ ሥጋ ወነፍስ ንኽንተግህ  እዩ። ነብስና ብዝተስተኻኸለ ሕይወት ንመርሕ፡ ክንበልዖ ዝግብኣና መጠን መጢንና ንበልዕ፡ ኵሉ ድሌትና ናብ ሰማያዊ ምሥጢር ንመልስን፡ መላእ ዘመንና ጽቡቕ ጥራይ ንገብር ኔርና እንተንኸውን፡ ናይ ጾም ዋጋ ንምርካብ ኢልና ምጿም ኣይመድለየናን ነይሩ። ስለዝኾነ ድማ ደቂ ሰባት ኪንበሃል፡ ግዲ ዘይብልናን ምቾት ድማ ንደልን ስለ ዝኾንና፡ እቲ ካብ ምድራዊ ኣቦ ይኹን ካብ ምድራዊት ኣደ ንላዕሊ ብዛዕባና ዝጥንቀቕ ሓኪምና (እግዚአብሔር) እዚ ሸለልትነትናን ዘይድሊ ሕንቃቐን ምቾትን ዝተመልአ ናብራናን ፈዊስና ካብ ዓለማዊ ምግባር፡ ናብ መንፈሳዊ ምግባር ምእንቲ ኺንኣቱ ጾም ዝተባህለ መድኃኒት ኣዳለወልና።

 ሰለዚ ብምኽንያት ሕማም ርእሶም ካብ መግቢ ኪኽልክሉ ዘይከኣሉ ሰባት ንኽበልዑ ግና ከኣ ካብ ክፉእ ምግባር ንኽጾሙ ንመኽሮም ኣለና። ብዘይካ ካብ መግቢ ምኽልካል ብኻልእ መንፈሳዊ ነገር ኣብሊጾም ንኽተግሁ ንመኽሮም ኣለና። ሕሙማት ካብ መግቢ ኪኽልከሉ እኳ እንተዘይከኣሉ፡ ብሓቂ ንመንግሥተ ሰማያት ዘኽፍት ካልእ ብዙኃት ናይ ድኅነት መገድታት ኣለውዎም። ስለዚ ብሰንኪ ሕማም ካብ መግቢ ምኽልካል እንተዘይተኻእለኩም (ምስ ኣበ ነፍስኹም ብምምኻር) ኣብዚኅኩም ምጽዋት ሃቡ። ካብ መግቢ ምኽልካል እኳ እንተዘይከኣልኩም ኣብዚኅኩም ጸልዩ። መግቢ ምኽልካል እኳ እንተዘይከኣልኩም ቃል እግዚአብሔር ንምምሃር ትጉሃት ኵኑ። ምኽንያቱ ሕማምኩም ነዚ ንምግባር ኣይክልክለኩምን እዩ።  ከምዚ እንተደኣ ትገብሩ ዄንኩም እቲ ሓቀኛ ጾም ጸዊምኩም ኣለኹም። እግዚአብሔርውን ካብዚ ብዝበለጸ ካባኻትኩም ዝደልዮ ነገር የለን። ምኽንያቱ ሓኪምና ካብ ጥልላት ከም እንኽልከል ዝእዝዘና፡ ፍቓደ ሥጋና ደኺሙ ፍቓደ ነፍስና ንኽብርትዕን ትእዛዙ ምእንቲ ክንሕሉን ኢሉ እዩ።

 ብኣጠቓላሊ ኣብ ጊዜ ጾምኩም ይኹን ኣብ ካልእ ጊዜ ሠለስተ ነገራት ኪትኅዙ ንመኽረኩም ኣለና። ንሳቶም ድማ ክፉእ ካብ ምዝራብ ምኽልካል፡ ንዝኾነ ሰብ ከም ጸላኢኻ ካብ ምርኣይ ምቑጣብን፡ ካብቲ ከም ልምዲ ኂዝኩሞ ዘለኹም ማሕላ ንኽትርሕቁን እዩ።

 ኣብ ዓጺድ ዘሎ ሰብ ነቲ እኽሊ ናብ ቆፎኡ ብሓደ ጊዜ ከም ዘይእክቦ፡ እንታይ ደኣ በብቑሩብ ከም ዝእክቦ፡ ንሕናውን ነዞም ዝተዛረብናሎም ተግባራዊ ብምግባር ኣብዚ ናይ ጾም ጊዜ ኪንለማመዶምን፡ ናትና ጸቡቕ ልምድታት ጌርና ኪንኅዞምን ይግብኣና። ከምዚ ብምግባርና ድማ መንፈሳዊ ጥበብ ብቐሊሉ ገንዘብና ኺንገብር ይከኣለና እዩ። ኣብዚ ዓለም ከለና ጽቡቕ ፍረ ዘለዎ ኣዝመራ ነፍሪ። ኣብቲ ዝመጽእ ዓለም ድማ ኣብ ቅድሚ ክርስቶስ ብዘይፍርሂ ብሓጐስ ተመሊእና ንኽንቀውም ይረድኡና። ንእኡ ዝበቅዕ ጸጋ ረኺብና ናይ ክብሩ ወረስቲ ይግበረና።