bieteelyas.blogspot.com ቤተ ኤልያስ

Tuesday 31 May 2016

ተኣምረ ማርያም 3ይ ክፋል


በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ፩ዱ አምላክ አሜን

3 ናይ ኣባ ቴዎድሮሰ ብእመቤትና ምፍዋስ



ኣባ ቴዎድሮስ (Tawodros) ዘእንጦንስ /አንቶኒዮ/ ክሳብ 1992 ዓ.ም ዝነበረ ኣቦ እዩ። ሥርዓተ ምንኵስና ብ1959 ተቐቢሉ። ኣብ ናይ ኣገልግሎት ዘመኑ ድኻ ዝረድእ ሕሙም ዝሓትት ዘኽታማት ዝበጽሕ ናይ ጸሎት ሕይወት ዘለዎ ናይ ሰማይ መላእኽቲ ናብራ ዝመስል ናይ መስጋና ሕይወት ዝተመልአ ኣቦ ነበረ። ኣብ ዝነበሮ ገዳም ኣሕዋት ካብ ምሕጋዝ እንተዘይኮይኑ ማንም ዓይነት ሽመት ዘይደሊ ትሑት ሰብ ነበረ። ኣብ’ዚ ሕጂ ጊዜ ናይ ግብጺ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ምምራሕ ዘለዉ ፓትርያርክ ሺኖዳ ዓርኩ (ብጻዩ) ስለ ዝነበሩ፡ ክህነት ወሲዱ ቤተ ክርስቲያን ብዝበለጸ ንኸገልግል ኣብ ዝሓትሉ ጊዜ “መነኵሴ ድሕነት ናይ ነፍሱ ክሕሉ ኣለዎ ፆሩ ብዙሕ ስለ ዝኾነ። ካህናት ብቃል ኪዳን ዘለዉ ብምዃኖም ብዝበለጸ ምስቲ ምእመን ተቐራሪቦም ክሠርሑ ይግባእ። ርግጽ እዩ ንዝሓለዎን ንዘኽበሮን ናይ ካህን ክብሪ ካብ ናይ መላእኽቲ ክብሪ ዝበለጸ እዩ ኣነ ድኹም እየ። ነዚ ክብሪ ዘይበቅዕ ተራ ሰብ ብምዃነይ ትም ኢለ ናብ ፈጣሪየይ እንተ ዝጽውዕ ይሕሸኒ” ብምባል መልሲ ይህብ ነበረ።


ይኹን እምበር በዚ ጽንዓቱ ናይ ምናኔ ሥርሑ ኣሐይሉ እኳ እንተቐጸለ ጐይታ ብክህነት ቤተ ክርስቲያን ንኸገልግል ብዝኣዘዞ መሠረት ናይ ቅስና መዓርጉ ተቐቢሉ ኣብቲ ገዳም ኣበምኔት ተሸይሙ ድንቂ ዝኾኑ ሥርሓት ሠሪሑ እዩ። ሽመቱ ንኣገልግሎት እምበር ንናይ ገዛእ ርእሱ ክብሪ መሐለዊ ከይገበረ ቤተ ክርስቲያን የገልግል ነበረ።  ኣባ ቴዎድሮስ ብፍቕሪ ናይ እመቤትና ብጽኑዕ ዝተጸምደ ምስጋናኣ ኣብዚሑ ዝነግር ብኣኣ በብጊዜኡ ምብጻሕ ዝተላዕለ ናይቲ ገዳም ማሕበር ክሳብ ዝግረሙ ገዝኡ ብርሃን ይምላእ እሞ ምስ ብዙሓት ሰባት ዘሎ ክሳብ ዝመስል ምስጋናኣ ዘወትር ከቕርብ ይስማዕ ነበረ። ሓደ ካብ መዓልታት ሓደ ናይቲ ገዳም ኣባል ዝኾነ ኣቦ “ኣባ ቴዎድሮስ ከምዚ ጌሩ ዝምስጥ ናይ ዝማሬ ድምጺ ምስ መን ኰይኑ እዩ ዘመስግኖ? እስኪ ክርእዮ! ንዓይከ ካብቲ ምስጋናኡ ከይሳተፍ ስለ ምንታይ ካብ ኣሕዋት ዝፈልየኒ? ኢሉ ናብቲ ናይ ኣባ ቴዎድሮስ በዓቲ ብለይቲ በይኑ ይኸይድ። ናብቲ በዓቲ እናቐረበ ምስ ከደ ናይቲ ምስጋና ድምጺ በዚሑ ብዙሓት ሰባት ተኣኪቦም ዘመስግኑ ዘለዉ ክሳብ ዝመስል ኣደኒቐዎ ነበረ። እቲ በዓቲ ብብርሃን ተመሊኡ ይርኢ።


ዝተዓጽወ ማዕጾ ክፍት ኣቢሉ ኣብ ውሽጢ ምስ ኣባ ቴዎድሮስ ዘመስግኑ በዓል መን ምዃኖም ክፈልጥ ኢሉ እንተ ጠመተ ብዘይካ ድምጺ ሓንቲ ነገር ክርኢ ፈጺሙ ኣይከኣለን ነበረ። እዚ ኣቦ ክቡር ኣባ ቴዎድሮስ ሕቡኣን ምስ ዝኾኑ ናይ ሰማይ ሠራዊት ምስጋና እንዳ ኣብጽሐ ምዃኑ ምስ ተረድአ “ኣብ ምድሪ ዘሎ ሱራፊ (ካህን)” ኢሉ ምስክሩ ሂቡ ቡራኬኡ ተቐቢሉ ናብ በዓቱ ተመልሰ።


ካብ ጽንዓት ናይ ምናኔኡ ዝተላዕለ ጾም ኣዝዩ የብዝሕ ስለ ዝነበረ ብሕማም ስቶመኮ (ጨጎራ) ብዙሕ ጊዜ ይሳቐ ነበረ። ሓደ መዓልቲ ሕማሙ ጸኒዕዎ ኣብ መንጎ ሞትን ሕይወትን እንከሎ፡ ብድፍኢት ናይ ኣቦታት ናብ ሕክምና ንኽውሰድ ተጌሩ መርመራ ይግበረሉ እሞ ኣልሰር ብዝተባህለ ናይ ጨጎራ ሕማም ብጽኑዕ ከም ዝተጠቕዐ፡ ሕማሙ ኣብ ናይ መወዳእታ ደረጃ ምብጽሑ በዚ ምኽንያት ኦፕራስዮንን ሰፊሕ ዕረፍትን ከም ዘድልዮ ብናይ ኮፕት ኦርቶዶክስ ቤተ ክርስቲያን ሆስፒታል ሓካይም ተነግሮ።


ኣብ ሕክምና ደቂሱ ኦፕራስዮን ዝገብረሉ ጊዜ ብትዕግሥቲ ይጽበ ነበረ። ካብ ዕለታት ሓንቲ መዓልቲ ኦፕራስዮን ንኽገብር ሓካይም ቅድመ መርመራ እንተ ገበርሉ፡ ናይ ኣባ ቴዎድሮስ ናይ ጥዕናኡ ኵነታት ምንም እንከን ዘይርከቦ ይትረፍዶ ኦፕራስዮን ሓንቲ ከኒና እኳ ከምዘይድልዮ ዘስተውዓሉ ሓካይም ናይ እግዚአብሔር ኢድ ምስ’ዚ በዓል ግርማን ጻድቕን ኣቦ ምንባሩ ኣይተጠራጠሩን። ንሳቶም “ኣቦና ንምዃኑ እዚ ከመይ ጌሩ ክኸውን ከኣለ?” ብምባል ሓተትዎ “ለይቲ ናይ ሰርክ ሊጦን ኣብጺሐ ናይ እመቤትናን ናይ ቅዱስ ጊዮርጊስን ናይ ምስጋና ጸሎት ብምቕራብ እዚ ሕማም ካባይ ንኽእለን ብዘይ ድኻም ዝተጸዋዕኩሉ ናይ ቤተ ክርስቲያን ኣገልግሎት ከገልግል ምእንቲ ክኽእል ሓይሊ ንኽህበኒ ንጐይታይ ብናይ ኣዲኡ ኣማላድነት ሓተትኩዎ፡ ብዘገርም ኵነታት እመቤተይ ምስ ቅዱስ ጊዮርጊስ መጺኣ በጽሓትኒ ወደየ ኣጆኻ ጸሎትካ ተቐቢልልካ እዩ ድሕሪ ሕጂ ሕማምካ ካባኻ ክእለ እዩ ኢላ ዳህሰሰትኒ ብቕጽበት ድማ ፍጹም ጥዕናይ ተመልሰ። ኣነ ድማ ኣምላኸይ ኣመስጊነ ንእመቤተይ ኣኽቢረ ንሰማዕት ቅዱስ ጊዮርጊስ ዘሚረ ሰላም ዝኾነ ለይቲ ብሕብረት ኣሕሊፍና ። እግዚአብሔር ብቕዱሳኑ ድንቂ እዩ ከም ዝበለ ዳዊት እዚ ድንቂ ነገር ተገብረለይ” ክብል ምስክርነቱ ሃበ።


ብእመቤትና ብዝተገብረ ተኣምራት ሓካይምን ብጸሎቱ ዝዝከሩ ምእመናንን ብምግራም ተመልኪቶም ንእግዚአብሔር ኣመስገኑ። ናይ ድንግል ኣማላድነት በዚሑ ንምድሪ ንኽመልኣ ድማ ጸሎት ኣቕረቡ። ናይ ግብጺ ቤተ ክርስቲያን ውን ንኣባ ቴዎድሮስ ዝተገብረ ተኣምራት ሓቅነቱ መርሚራ ድሕሪ ምርግጋጽ ንምዕመናን ከም ዝግለጽን ከም ዝምዝገብን ገበረት።
ክቡር ኣባ ቴዎድሮስ ብ1992 ክብርቲ ነፍሱ ክትፍለ ኣብ ዝበጽሓሉ ሰዓት ዝደቀሰሉ ክፍሊ ብብርሃን ተመሊኡ ነበረ። ኣብ ዙርያኡ ከቢቦም ዝነበሩ ኣቦታት ውን እቲ ክፍሊ ብብርሃን ምምልኡን ብፍሉይ መኣዛ ምዕጃቡ ኣደኒቕዎም ይጽልዩን ተኣምሩ የድንቑን ነበሩ። ድሕሪ ዝተወሰኑ ሰዓታት ኣባ ቴዎድሮስ ኣፉ ከፊቱ ሠናይ ርግቢት መጺኣ ኣላ ተቐበልዋ!  ኦ ሠናይ ርግቢት ናባይ ንዒ ካብ ኢድ ጸላእተይ ውን ነፍሰይ ሓልዊ! ንዒ እንዳበለ ደጋጊሙ ጸዊዑን ኣመስጊኑን ነፍሱ ብኽብሪ ዓረፈት። ልመናኣን ክብራን ናይ ወዳ ፈታዊኣ ምሕረትን ኣብ ልዕሊ ኵልና ይሕደር ኣሜን።


ጸሎት


ኦ እመቤተይ ነዚ ተኣምርኪ ንዘንበብኩን ንዝሰማዕኩን ንዓይ ንባርያኽን ፈታዊኽን ኣብ ካይሮ ንዝነብር ንክቡር ኣባ ቴዎድሮስ ዝገበርክሉ ድንቂ ነገር ንዓይ ንባርያኺ ግበርለይ። ናትኪ ንጽሕና ስለ ርኽሰተይ ናትኪ ምእዛዝ ንዓመጻነተይ ናትኪ ክብሪ ንምውራደይ መተካእታ ኮይኑ ካብቲ ዘጨንቐኒ ዘሎ መከራይን ስቓይን ሽግረይን ቀልጢፍኪ ኣድሕንኒ።

ሓዘነይ ናብ ሓጎስ ስቓየይ ናብ ዕረፍቲ ምግፈዐይ ናብ ነጻነት ለውጥለይ ንዘለኣለም ኣሜን

Monday 30 May 2016

ተኣምረ ማርያም 2ይ ክፋል

በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ፩ዱ አምላክ አሜን


ንኣባ ኣቢብ ካብ እመቤትና ዝተዋህበቶ ወንበር



ክቡር ካህን ኣቦ ኣባ ኣቢብ እመቤትና ኣዝዩ ዝፈቱን ምስኣ ጥቡቕ ፍቕሪ ዝነበሮን መናኒ ካህን እዩ ኔሩ። ብዛዕባ እመቤትና ክምስክር እንከሎ ውን “ንሳ ካብ ኣደ ንላዕሊ ንዓይ ኣደ እያ” ይብል ነበረ። እዚ ቅዱስ ኣቦ እዚ ብናይ እመቤትና ኣማላድነት ከም ጳውሎስ ናይ መላእኽቲ ከተማ ከም ቅዱስ ዮሐንስ ድማ ናይ ሰማያት ምሥጢር ዝረኣየ ነበረ።


ኣባ ኣቢብ ወዲ 17 ዓመት መንእሰይ እንከሎ እዩ ብናይ እመቤትና ምርጫን ጻውዒትን ምእንቲ ክርስቶስ ካብ ዓለም ዝተፈልየ። ኣብ ዘመን ተጋድሎኡ ውን እመቤትና ኣልዒሉ ዘይጸግብ፡ ኣማላድነታ ካብ ምምስካር ዘይዓርፍ፡ ምስጋናኣ ኣብዚሑ ዝነግር ነበረ። ድሕሪ ናይ ነዊሕ ጊዜ ተጋድሎ እመቤትና ናይ ሰማያት ምሥጢር ናይ ገነትን ናይ ሲኦልን ነገር ከም ዝርኢ ገበረቶ። ኣብቲ ናይ መከራ ቦታ (ሲኦል) ናይ ነፍሳት ጭንቀትን ጻዕርን ሓዘንን ምስ ረኣየ ኣዝዩ ብምሕዛን “እመቤተይ ነፍሰይ ተጨነቐት ካብዚ ስፍራ ክፍለ መረጽኩ” በለ ብኡ ንብኡ ድማ እመቤትና ናይ ነገት ተድላ ናይ ቅዱሳን ክብሪ ከም ዝርኢ ገበረቶ።


ካህን ኣባ ኣቢብ ነዚ ድንቂ ቦታ ምስ ተመልከተ ናይ ምሥጋና መሥዋዕት ክሥዋእ ናይ ብርሃን ወሓዚ ክፈስስን ብዘይ ምቊራጽ ቅዱስ ቅዱስ ቅዱስ እንዳበሉ ዘሸብሽቡ መላእኽትን ኣዕጽምቲ ዘለምልም ናይ ሕጻናት ዝማሬ ምስ ሰምዐ ናይ ሓጎሱ ልዕልና ንድንግል ብተመስጦ ይገልጽ ነበረ። ኣብዚ ቦታ ኵሎም ቅዱሳን በብኽብሮም ተቐሚጦም ምስ ረኣየ ኣብቲ ጽቡቕ ግርማ ዝነበሮ ናይ ቅዱሳን ሓድነት ሓደ ኣገራሚ ነገር ኣስተውዓለ። እዚ ድማ ማንም ዘይተቐመጣ ሓንቲ ወንበር ርእዩ “እመቤተይ እዛ ወንበር ናይ መን እያ” ኢሉ ሓተተ። እመቤትና ድማ “ፈታውየይ ኣቢብ ናይ እግዚአብሔር ሕጊ እንተ ድኣ ሓሊኻ ብእምነትካ እንተጸኒዕካን መስቀሉ እንተ ተሰኪምካን ናትካ ክትከውን እያ” በለቶ። ኣባ ኣቢብ ውን ኣብ ናይ ቅዱሳን ማሕበር ተፈልያ ነጻ ኮይና ዝረኣያ ወንበር ንምርካብ ን27 ዓመታት  ናይ እመቤትና ኣማላድነት ሐገዝ ጌሩ ነበረ።


ኣብዚ ናይ ተጋድሎ ሕይወቱ ናይ ክርስቶስ መስቀል ብሓቂ ይሽከም ነበረ። እመቤትና ውን ዘወትር ትበጽሖ ነበረት። እመቤትና ናብ ኣባ ኣቢብ እትገብሮ ምብጻሕ ኵሎም ናይቲ ገዳም ደቂ ማሕበር ይፈልጡ ነበሩ። እቲ ዝነበሮ በዓቲ ድማ ብብርሃን ይምላእ ነበረ። ኣሕዋቱ ከመይ ኣለኻ ክብልዎ እንከለዉ ውን ብክርስቶስ  ብዛዕባ ዝተዋህበቶም ዓባይ ህያብ ብዛዕባ እመቤትና ይምስክር ነበረ። “ኣብ ጊዜ ሓዘነይ ደስታ ኣብ ጊዜ መከራይ ጽንዓት ኣብ ጊዜ ምግፍዐይ ብርትዐ ኣብ ጊዜ ህውከተይ ጸጥታ ናይ እግሪ መስቀል ህያበይ እያ” ይብል ነበረ። ብኢዱ ውን ብዙሕ ድንቅታት ይፍጸሙ ነበሩ። እመቤትና ውን መዓልቲ መዓልቲ ከም ብጻዩ ኣብ ጐኑ እንዳተረኽበት ተዘራርቦ ነበረት። በረኸቱ ይብጸሓና። ልመናአ ክብራ ናይ ወዳ ፈታዊኣ ምሕረት ኣብ ልዕሊ ኵልና ይሕደር ኣሜን።


ጸሎት

ኦ እመቤተይ ነዚ ተኣምርኪ ንዘንበብኩን ንዝሰማዕኩን ንዓይ ንባርያኽን ፈታዊኽን ኣብ ካይሮ ንዝነብር ንኣባ ኣቢብ ዝገበርክሉ ድንቂ ነገር ንዓይ ንባርያኺ ግበርለይ። ናትኪ ንጽሕና ስለ ርኽሰተይ ናትኪ ምእዛዝ ንዓመጻነተይ ናትኪ ክብሪ ንምውራደይ መተካእታ ኮይኑ ካብቲ ዘጨንቐኒ ዘሎ መከራይን ስቓይን ሽግረይን ቀልጢፍኪ ኣድሕንኒ።

ሓዘነይ ናብ ሓጎስ ስቓየይ ናብ ዕረፍቲ ምግፈዐይ ናብ ነጻነት ለውጥለይ ንዘለኣለም ኣሜን

Sunday 29 May 2016

ተአምረ ማርያም 1ይ ክፋል



በስመአብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ፩ዱ አምላክ ኣሜን

ብእመቤትና ቅድስት ድንግል ማርያም ዝተፈጸሙ ናይ ዘመንና ዓበይቲ ተኣምራት 


እዛ መጽሓፍ እዚኣ ብናይ ኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ግብጺ ፓትርያርክ ዚነበሩ ብጹእ ወቅዱስ ኣቡነ ሺኖዳ 3ይ  (MODERN MIRACLES OF S.T MARY) ብዝብል ኣርእስቲ ዚተጻሕፈት ኰይና ብቀሲስ ሳሙኤል እሸቱ ናብ ቋንቋ ኣምሓርኛ ተተርጕማ ምስ ረኸብኩዋ፡ ኣነ ድማ በዛ ድኽምቲ ዓቕመይ ናብ ቋንቋ ትግርኛ ኪትርጉማ ፈቲነ ኣለኹ። 


እዚ ዘለናዮ ዕለት ማለት ካብ 21-25 ግንቦት፡ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ኣብ ደብረ ምጥማቅ ዝበሃል ናይ ግብጺ ቦታ ብዙሓት ኣመንትንዘይኣመንትን እናረኣይዋ ትግለጸሎም ዝነበረት ዝዝከረኩ ዕለት እዩ። ኪትግለጸሎም ከላ ድማ ኣእላፋት ቅዱሳን መላእኽትን ሰማዕታትን ኣኸቲላ ብምምጻእ ብግልጺ ትረኣዮም ነበረት። ንሕጂ ኣብ'ዚ ቀረባ ዘመናት ኣብ ግብጺ ካብ ዝገበረቶም ብዙሓት ተኣምራት ነዘን 5 ምዓልቲ ኣከታቲለ 5 ተኣምራት ከቕርበልኩም ኪፍትን እየ። 

ዕላማ ናይ'ዚ

1.  እመቤትና ኣማላዲትን ገባሪት ተኣምራትን ናይቶም ዝቐደሙ ሰባት ጥራይ ዘይኮነት፡ ኣብ ትሕቲ ናይ ኣማላድነት ጽላል ንዘለና ኵልና ዝፈጸመቶን እትፍጽሞ ዘላን ድንቂ ነገር ንምግላጽ እዩ።

2.  ብስምኪ መጽሓፍ ዝደረሰ ንድርሳንኪ ዘንበበን ዝሰምዐን ዝተርጐመን ክምሕረልኪ ኢየ ዝብል ንድንግል ማርያም ካብ ጐይታ ዝተዋህባ ቃል ኪዳን ኣሎ። ስለ’ዚ ኵልና በዚ ኪዳን እዚ እንእመን ደቃ ገሌና ብምትርጓም ገሌና ብምንባብ ገሌና ድማ ብምስማዕ ናይ’ዚ ኪዳን እዚ ተኻፈልቲ ምእንቲ ክንከውን።


 1.  ናይ ካይሮ መሃንዲስ ምፍዋስ



ኣብታ ዓበይ ናይ ካይሮ ከተማ ንዝህነጹ  700 ናይ መንበሪ ኣፓርታማ ገዛውቲ ብኢንጂነርነት ዝሠርሕ ዝነበረ ኦርቶዶክሳዊ ሰብ ናይ ካይሮ ሃሩር ተጻዊሩ ሥርሑ ብጥንቃቐን ብትግሃት ይሠርሕ ነበረ። ዝተዋህቦ ሓላፍነት ዓቢ ስለ ዝነበረ ለይትን መዓልትን ሰልቺዩኒ ከይበለ ሥርሑ ይሠርሓሉ ኣብ ዝነበረ ኩነታት ሓደ ካብ መዓልታት ዘይተሓሰበ ዘሰንብድ ነገር ተኸስተ። እዚ ድማ ትጉህን ሓያልን ጥዑይን ዝነበረ መሃንዲስ ነብሱ ስሒቱ ብሃንደበት ናብ መሬት ወደቐ። በዚ ዝተሰናበዱ ናይቲ ካምፓኒ ሠራሕተኛታት ናይቲ ትጉህ ኢንጂነር ነፍሲ ንምድሓን ኣምቡላንስ ጸዊዖም ናብ ሆስፒታል ብምውሳድ ናይ ሕክምና ረድኤት ከም ዝረክብ ገበሩ። ዝደቀሶ አይ ሲ ዩ (ICU) ሆስፒታል ብዝገበረሉ ምርመራ እቲ ኢንጂነር ብቱዩመርን ብነርቭን ከምኡ ውን ብድኻም ልቢ ብከቢድ ከም ዝተጠቕዐ ተፈልጠ።


እዚ ሰብ ድሕሪ ዝተወሰኑ መዓልታት ነብሱ እናፈለጠ ምስ መጸ ብምኽንያት ሕማም ሆስፒታል ምድቃሱ ይፈልጥ’ሞ ብምሕዛን “እመቤተይ እዚ ንኽኸውን ፈቒድኪ” እንዳበለ መዓልቲ መዓልቲ ንብዓቱ ከፍስስ ጀመረ። ሓደ መዓልቲ ብምሸት እግሩ ንምፍታሕ ካብ ድቃሱ ይትንሥእ እሞ፡ ኣብ ብራንዳ ናይቲ ደቂስሉ ዘሎ ክፍሊ ናይ ሆስፒታል ነቲ ብኣጋ ምሸት ዝነፍስ ንፋስ ንምርካብ እንዳ ተንቀሳቐሰ እንከሎ፡ ሓደ ናይ ብርሃን ዓንዲ  ነቲ ጸልማት ለይቲ እንዳሰንጠቐ መጺኡ ኣብ ጎኑ ምስ በጽሐ ናብ ብዙሕ ናይ ብርሃን ጩራ ይልወጥ’ሞ  ሓደ ብኣፍ ልቡ ክኣቱ ይስምዖ። ብኡ ንብኡ እቲ ብርሃን ዝሓዘ ዓንዲ ደመና ሰማይ ሰንጢቑ ይምለስ። እዚ ክስተት ዝረኣዩ አለይቱን  ሕሙም ኢንጂነር ነቲ ዝተኸስተ ነገር ንምእማን ይሽገሩ። እቲ ዝመጸ ዓንዲ ደመና ምስ’ቲ ኣብ ዘይቱን ማርያም ዝተገልጸ ናይ እመቤትና ማርያም ዓንዲ ብርሃን ተመሳሲልዎም ነበረ። እቲ ኢንጂነር ግን ካብዚ መዓልቲ ጀሚሩ ብዘይእመን ኩነታት ተስፋ ብምስናቕ ድሕነቱ ቀረባ ከም ዝኸውን ክኣምን ጀመረ። ነቶም ዝከናኸንዎ ዝነበሩ እቲ ምግላጽ ካብ እመቤትናን ካብ ናይ ሰማይ ኣምላኽን ምዃኑ ብእምነት ይምስክር ነበረ።


ኣብ ዝተረፉ መዓልታት ነቲ ኣጥቂዕዎ ዘሎ ሕማም ግቡእ ሕክምና ንኽረክብ ናይ ሓካይም ጉባኤ ብዝሃቦ ርኢቶ መሠረት ኣሜሪካ ኣብ ዝርከብ ክሊቬላንድ (cleveland) ሆስፒታል ኦፕራስዮን ክገብር ከም ዝግብኦ  ተኣሚንሉ ናብኡ ብምኻድ ሕክምናኡ ኣብ ምክትታል እንከሎ ኣብ ጐኒ እቲ ካብ ካይሮ ሒዝዎ ዝመጽአ ናይ እመቤትና ስእሊ  ዘወትር ምሸት “እመቤተይ ኣዝዮም ጽኑዓት ብዝኾኑ ሕማማት ተጠቒዐ ኣለኹ ኣማላድነትኪ እንተዘይረዲእኒ ኣብ ናይ ንእስነት ዕድመይ ሞት ክድርብየኒ ተቐሪቡ እዩ ዘሎ። ናይ ሰብ ጥበብ ውሱን እዩ። ናይ ወድኺ ምሕረት ምድሓኑን ፍቕሩን ናትኪ ኣማላድነትን ግን ደረት ዘይብሉ እዩ’ሞ ረድኤትኪ የድልየኒ ኣሎ” እንዳበለ ብዝሓመመ ጕልበቱ እንዳተንበርከኸ ይልምንን ይነብዕን ነበረ። ሓደ ምሸት ነዚ ጸሎቱ እንዳኣቕረበ  እንከሎ ዝደቀሰሉ ክፍሊ ብዓቢ ብርሃን ተመሊኡ “ወደየ ኣጆኻ ኣነ ምሳኻ እየ” ዝብል ድምጺ ሰምዐ። ቅንዕ ኢሉ እንተተመልከተ ኣብ’ቲ ቅዱስ ስእሊ እታ ብዘጸናንዕን ደስ ብዘብልን ቃል ዝተዛረበቶ እታ  ዝፈልጣ እመቤትና ነበረት። ኦ ኣደይ በረኸትኪ ይሕደረኒ እንዳበለ ኢዱ ኣብ ዝዘርግሓሉ ጊዜ ድንግል ባረኸቶ። ብኡንብኡ እቲ ዕረፍትን ሰላምን ከሊእዎ ዘሳቕዮ ዝነበረ ሕማም ብዘገርም ኩነታት ብምሕዋይ ፍጹም ጥዑይ ኮነ። እመቤትና ውን ኣብዚ ናይ ብርሃን ዓንዲ ኮይና ብናይ እምነቱ ጽንዓትን ብዘቕረቦ ልመናን ከም ዝተፈወሰ መስኪራትሉ ባሪኻቶ ተፈልየት። ክእመን ብዘይክእል መንገዲ ካብ ዓይኒ ናይቲ መሓንዲስ ናይ ሓጎስ ንብዓት ብዘይምቊራጽ ይፈስስ ነበረ። ዝደቀሰሉ ክፍሊ ድማ ብፍሉይ መኣዛ ተመሊኡ ነበረ።


ንጽባሒቱ ብብዙሕ ሕማማት ተጠቒዑ ዝነበረ ኢንጂነር ንምድሓንን ኦፕራስዮን ንምጅማርን ዶክተራት ናይ ሕክምና መሣርሒኦም ኣዳልዮም ቅድመ ኦፕራስዮን ምርመራ እንተገበሩ፡ ኣብ ታሪኽ ሕክምና ኣጋጢምዎም ዘይፈልጥ ሓደ ኣገራሚ ክስተት ረኸቡ። ኢንጂነር ካብቶም ተጠቒዕዎም ዝነበረ ሕማማት ፍጹም ጥዑይ ኮይኑ ነበረ። ሓንቲ ናይ ሕማም ምልክት ኣይረኣዮን ነበረ። ሓካይም ኣብ ግለ ሰብ ናይ ሕክምና ውልቃዊ ሕይወት ታሪኽ ዝመዝገብዎን ናይቲ ሰብ ፈጺሙ ምጥዓዩ ፈጺሙ ዘይራኸብን ዘይእመንን ኮኖም። “ብኸመይ ምኽንያትን ብኸመይ ኩነታትን ኢኻ ከምዚ ዓይነት ፍጹም ጥዕና ክትረክብ ዝኸኣልካ?” በልዎ። ኢንጂነር ውን እመቤትና ዝገበረትሉ ተኣምር ኣብ ዝተረኸሎም ጊዜ እቶም ሓካይም “ሓሚሙ ዝመጽአ እንተኾነ ግን ብተኣምራት ብዘይ ሕክምና ዝተፈወሰ” ብዝብል መረጋገጺ ሂቦም ናብ ሃገሩ ብሰላም ተመልሰ። እዚ ሰብ እዚ ክሳብ ሎሚ ኣብ ከተማ ካይሮ ብጥዕናን በረኸትን ሥርሑ እንዳሠርሐ ይርከብ። ናይ ግብጺ ቤተ ክርስቲያን ውን ናይ ተኣምሩ ሓቅነት ብምርግጋጽ ንሕዝባ ብመራኸቢ ብዙሃን ገሊጻ ኣላ። ልመናኣ ክብራ ኣማላድነታ ናይ ወዳ ፈታዊኣ ምሕረት ኣብኩልና ይኹን ኣሜን።

ጸሎት


ኦ እመቤተይ ነዚ ተኣምርኪ ንዘንበብኩን ንዝሰማዕኩን ንዓይ ንባርያኽን ፈታዊኽን ኣብ ካይሮ ንዝነብር መሓንዲስ ዝገበርክሉ ድንቂ ነገር ንዓይ ንባርያኺ ግበርለይ። ናትኪ ንጽሕና  ንርኽሰተይ ናትኪ ምእዛዝ ንዓመጻነተይ ናትኪ ክብሪ ንምውራደይ መተካእታ ኮይኑ ካብቲ ዘጨንቐኒ ዘሎ መከራይን ስቓየይን ሽግረይን ቀልጢፍኪ ኣድሕንኒ።



ሓዘነይ ናብ ሓጎስ ስቓየይ ናብ ዕረፍቲ ምግፈዐይ ናብ ነጻነት ለውጥለይ ንዘለኣለም ኣሜን

Friday 27 May 2016

ራእይ ዮሓንስን ናይ መወዳእታ ዓለምን መበል 14 ክፋል

7 ኣብ ሰማይ ከኣ ውግእ ኰነ፡ ሚኪኤልን መላእኽቱን ምስቲ ገበል ተዋግኡ። እቲ ገበልን መላእኽቱን ድማ ተዋግእዎም።

8 ኣይሰዐርዎምን ከኣ፡ ድሕርዚ ስፍራኦም ኣብ ሰማይ ኣይተረኽበን። 9 እቲ ንብዘላ ዓለም ዜስሕታ ዘሎ ድያብሎስን ሰይጣንን ዚብሀሉ ዓብዪ ገበል፡ እቲ ናይ ጥንቲ ተመን ተደርበየ፡ ናብ ምድሪ ተደርበየ፡ መላእኽቱውን ምስኡ ተደርበዩ።

ዓለም ክፍጠር ከላ ንሰይጣን ዝተዋግኦ ቅዱስ ሚካኤል እዩ። ኣብ መወዳእታ ዓለም ውን ንሰይጣን ዝዋግኦ ንሱ እዩ (ዳን 12፡1)። እዚ ዓለም ክሓልፍ ከሎ ውን ነቶም ብናቱ ረድኤት ንዲያብሎስ ስዒሮም ዝተዓወቱ  ተንሥእ መዋቲ ኢሉ ዘተንሥኦም ውን ንሱ ቅዱስ ሚካኤል ሊቀ መላእክት እዩ።(1ተሰ 4፡16)

ንመጀመርያ ጊዜ ምስ ዲያብሎስ ዝተዋግኡ ቅዱሳን መላእክት ኢዮም። እግዚአብሔ ንመላእኽቲ ፈጢሩ ተሰዊርዎም ነበረ። ልቦና ዝተዓደሎም ኣእምሮ ዝተሳእለሎም ስለ ዝኾኑ ንፈጣሪ ተመራሚሮም ባዕሎም ንኽበጽሕዎ ኢሉ እዩ። ኣብ መንጎ መላእኽቲ ድማ መን ፈጠረና ዝብል ሕቶ ተላዕለ። ኣብ’ዚ ጊዜ እዚ ናይ መላእኽቲ ሓለቓ ኮይኑ ዝተሾመ ዲያብሎስ ኣነ ፈጠርኩኹም ኢሉ ዓመጸ። ዝተወሰኑ መላእኽቲ ድማ ሰዓብዎ። ቅዱስ ሚካኤልን ካልኦት መላእኽትን ግና ንስኻ ፍጡር እምበር ፈጣሪ ኣይኮንካን ኢሎም ተቓወምዎ። ሰማያዊ ውግእ ኣብ መንጎ ምእማንን ምኽሓድን፡ ኣብ መንጎ ምውልዋልን ምጽናዕን ኣብ መንጎ ዓመጽን ሕጊ ምኽባርን ዝተኻየደ ውግእ እዩ ኔሩ። ኣብ መወዳእታ ድማ ዲያብሎስ ተሳዕረ ካብ ሰማያዊ ስፍራኡ ድማ ተዋረድ።

 ስለ’ዚ መላእኽቲ ንዲያብሎስ ብምውጋእ ቀዳሞት እዮም። ዲያብሎስ ናይ ልቴና ጸላኢ ኢዩ። ንሳቶም ኣቐዲሞም ስለ ዝሰዓሩ ንኩሎም እቶም ንምስዓር ዝጋደሉ ይራድእዎም እዮም። በዚ ድማ እዩ ቅዱስ ጳውሎስ “ኵላቶምዶ ነገልግሎት እቶም ምድሓን ኪወርሱ ዘለዎም ዚለኣኹ መናፍስቲ ኣገልግሎት ኣይኰኑን” ዝበለ። (ዕብ 1:14)

 እቲ ኣብ ዓለመ መላእኽቲ ብመጀመርያ ንቤተክርስቲያን ዝተዋግኣ ዲያብሎስ፡ ኣብ ውሽጢ ዝኾነ ይኹን ህሞት ንቤተ ክርስቲያን ንምውጋእ ኣየቋርጽን እዩ። መላእኽቲ ምስ ሰዓርዎ ናብ ደቂ ሰባት ቀየረ። ሕጂ ውን ምውጋኡ ኣየቋረጸን። ኣብ ዘመነ ብሉይ ኪዳን ንኣቦታትና ተዋጊኡዎም። ሎሚ ድማ ኣብ ዘመነ ሓድሽ ኪዳን ንክርስቲያን ይዋጋእ ኣሎ።

 ሀ. ዓቢ ገበል “ገበል ንዓብን ንእሽተይን ከም ዝውሕጥ፡ ዲያብሎስ ውን ጽኑዓትን ሓደስቲ ኣመንትን ዘውድቕ ጸላኢ ኢዩ” ማቴ 24፡24

. ናይ ቀደም ተመን “ንሔዋን ዘስሓተ ሰብ ከታልል ውን ዝነብር ንሱ እዩ ዘፍ 3፡5

ሐ. ዲያብሎስ ብቋንቋ ግሪኽ “ኣሰናኻሊ” ማለት እዩ። ንክርስቲያን ካብ መንገዶም ኣሰናኺሉ ስለ ዘውጸኦም።

. ሰይጣን “ከሳሲ ኣሕዋት” ማለት እዩ። ኵሉ ጊዜ ንቤተ ክርስቲያንን ንቅዱሳን ንደቃን ስለ ዝኸስስ (ኢዮ 1፡)

. ኣስሓቲ “ንኹሉ ዓለም ዘስሕት” ሥርሑ ኣብ ምትላልን ኣብ ምግጋይነ ዝተመሥረተ ስለ ዝኾነ እዩ።

10 ኣብ ሰማይ ከኣ ዓው ብዝበለ ድምጺ፡ እቲ ለይትን መዓልትን ኣብ ቅድሚ ኣምላኽናን ዚኽሶም ዝነበረ ኸሳስ ኣሕዋትና ተደርብዩ እዩ እሞ፡ ሕጂ ምድሓንን ስልጣንን መንግስትን ናይ ኣምላኽና ዀይኑ፡ ምልኪ ኸኣ ናይቲ ቕቡእ እዩ፡ ኪብል ከሎ ሰማዕኩ።

ቅዱሳን መላእኽቲ ሰይጣን ምስ ወደቐ “እቲ ከሳሲ ኣሕዋትና ተደርበዩ” ብምባል እዮም ተዛሪቦም። ኣሕዋትና ዝበለዎ ንወዲ ሰብ እዮም። ሕውነትና ድማ ብሃይማኖት እዩ። ድቂ ሓንቲ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ኢና። ዲያብሎስ ነዞም ኣብ ምድሪ ንነብር ዝዋግኣሉ ዘመኑ ሓጺር እዩ። ብድሕሪ እዚ ዘተርፍ ኣዝዩ ሓጺር እዩ። እቲ መዓልቲ እናቐረበ ኣብ ዝመጻሉ እዋን ድማ እቲ ፈተና እናወሰኸ እዩ ዝኸይድ።


11 ሳላ ደም እቲ ገንሸልን ሳላ እቲ ቓል ምስክሮምን ድማ ሰዐርዎ፡ ንህይወቶምውን ክሳዕ ሞት ኣየፍቀርዋን። ስለዚ፡ ኣቱም ሰማያት፡ ኣባታቶም እትነብሩውን፡ ተሐጐሱ። ኣቱም ምድርን ባሕርን ግና፡ ድያብሎስ ቅሩብ ዘመን ከም ዘለዎ ፈሊጡ፡ ብብርቱዕ ቍጥዓ ወሪዱኩም አሎ እሞ፡ ወይለኹም።


 ዲያብሎስ ብቕዱሳን መላእኽቲ ምስ ተሳዕረ ገጹ ናብ ደቂ ሰባት እዩ መሊሱ። ንኣዳምን ሰበይቱን ኣጋግዩ ናብ ምድሪ ከም ዝወርዱ ገበረ። ካብኡ ጀሚሩ ንኹሎም ቅዱሳን ክዋግኦም ጀሚሩ። እቲ ትንቢት ተፈጺሙ ጐይታ ንኸይውለድ ንቤተ ክርስቲያን የሳድድ  ኔሩ።  ካብ ወገን ቅዱሳን ክውለድ እዩ ኢሉ ስለ ዝሓሰበ ንቅዱሳን ኣሳዲድዎም። ብፈርኦን ነቡከደነጾር  ብኣርጤክስስ ጌሩ ከወድኦም ፈቲኑ። ብበትሪ ሓጺን ዝቕጥቅጦ ተባዕታይ ወዲ ምስ ተወለደ ድማ ንኣዲኡ ቅድስት ንድንግል ማርያም መጀመርያ ኣብ ኣይሁድ ቀጺሉ ኣብ ሄሮድስ ቀጺሉ ድማ ኣብ መናፍቓንን እናሓደረ ኣሳደዳ። ርእሱ ርእሱ ዝቕጥቅጥ ካብኣ ስለ ዝተረኽበ ድማ ንቤተ ክርስቲያን ክሳብ መወዳእታ ክዋግኣ እዩ።


13 እቲ ገበል ከኣ ናብ ምድሪ ኸም እተደርበየ፡ ምስ ረኣየ፡ ነታ ተባዕታይ ሕጻን ዝወለደት ሰበይቲ ሰጐጓ።14 ነታ ሰበይቲ ኸኣ፡ ካብ ገጽ እቲ ተመን ርሒቓስ ዘመንን ዘመናትን ፈረቓ ዘመንን ክትምገብ፡ ናብ በረኻ ናብቲ ስፍራኣ ምእንቲ ኽትነፍር፡ ክልተ ኽንፊ ናይቲ ዓብዪ ንስሪ ተዋህባ።



ክልተ ክንፊ

እዛ ካብ ላዕሊ ጀሚርና ክንርእያ ዝጸናሕና ሰበይቲ ድንግል ማርያም እያ። እቲ ገበል ዝተባህለ ድማ ንጊዚኡ ሄሮድስ እዩ። እቲ ገበል ነታ ኪትወልድ ትጽዓር ዝነበረት ሰበይቲ ነቲ ውሉዳ መታን ኪምንጥል ኣብ ቅድሚኣ ቆመ፡ ማለት ድማ ድንግል ማርያም ምስ ሓረሰት ሄሮድስ ብፍርሒ ተሸቢሩ ንክርስቶስ ንምቕታል 144000 ህጻናት ኣቕተለ። ብድሕሪ እዚ እታ ሰበይቲ ን1260 ምዓልቲ ዝኣክል ናብ በረኻ ማለት ናብ ግብጺ ተሰደት።(ማቴ 2:13) ን3 ዓመትን 6 ወርሕን ዝኣክል ተሰደት ማለት እዩ። ብድሕሪኡ እቲ ገበል እንታይ ከም ዘገበረ ኣብ ዝቕጽል ታሪኽ ኪንርእዮ ኢና።


 ክልተ ክንፊ ንድንግል ማርያም ዝተዋህባ “ንጽሐ ሥጋን ንጽሐ ነፍስን” “ድንግልና ሥጋን ድንግልና ሓሳብን” እዮም።


 ቅዱስ ኤጲፋንዮስ ከም’ዚ ይብል “ናይ ቅዱስ ዮሐንስ ወንጌል ከም ዝነግረና፡ ጎይታና ኣብ ልዕሊ መስቀል ኮይኑ ነቲ ዘፍቅሮ ወደ መዝሙር ተመልከቶ። ከም’ዚ ድማ ብሎ “እነሀት ኣዴኻ” ነዲኡ ድማ “እነሆ ወድኺ” በላ (ዮሐ 19:26) ድንግል ማርያም ደቂ እንተ ዘነብርዋ፡ ሰብኣያ ድማ ብሕይወት እንተዝነብርን ስለ ምንታይ ንዮሐንስ ተዋሂባ? ዮሐንስ ከ ስለምንታይ ንዓኣ ተዋሂቡ? ስለ ምንታይ ንጴጥሮስ ንእንድርያስ ንማቴዎስ ወይ ንበርተሎሜዎስ ዘይሃቦም? እቲ መልሲ ግሉጽ እዩ ንዮሐንስ ዝሃባ ዮሐንስ ድንግል ስለ ዝኾነ እዩ። ንዕኡ “እነሀት ኣዴኻ” ኢልዎ። ምንም እኳ ብስጋ ንዮሐንስ ኣዲኡ እንተዘይኮነት፡ እንተኾነ ግን ናይ ደናግል ኣደ ብምዃና ኣዲኡ እያ። ሕይወት ካብኣ እዩ ተጀሚሩ። ንሳ ብሓቂ ናይ ክርስቶስ ኣደ እንተዘይትኸውን ኔራ፡ ብምክንያት ስጋዌ ኣዲኡ ንዝኾነት ንዮሐንስ ሓደራ ኣይምሃቦን ኔሩ። ወንጌል “ካብ’ታ መዓልቲ እቲኣ ጀሚሩ ናብ ገዛኡ ወሰዳ” (ዮሐ 19:27) ይብል።ንሳ ሰብኣይ ደቂ ወይስ ገዛ እንተዝነብራ ኔሩ፡ ናብ ገዝኣ ድኣ ምተመለሰት እምበር ናብ ናይ ካልእ ሰብ ገዛ ኣይምኸደትን። ሓቂ እዚ እንተኾነ ውን ምንም እኳ ዮሐንስ ናብ ቤቱ እንተ ወሰዳ ምስኡ ግን ኣይነበረትን። ማንም ዝተጋገኹ ጌሩ ከይሓስብ፡ ኣብ ቅዱሳት መጻሕፍቲ ይድለ እሞ’ ብዛዕባ ሞት ናይ ድንግል ማርያም ዝዛረብ ነገር የምጽእ። ብዛዕባ ሞታ ይኹን ብዛዕባ ምቕባራ።

 ቅዱስ ዮሐንስ ኣብ ኤስያ ይጎዓዝ ከም ዝነበረ እኳ ርጉጽ እንተነበረ፡ ኣብ ማንም ጽሑፉ ግን ንድንግል ማርያም ምስኡ ሒዙ ከም ዘኸደ ኣይነገረናን። ቅዱሳት መጻሕፍቲ ብዛዕባ’ዚ ስቕታ እዮም መሪጾም። ምእንቲ እዚ ኣደናቒ ነገርን ምእመናን ንዘይምድንጋር ኪብ። ኣነ ውን ምንም እኳ ኪዛረብ ደልየ እንተነበርኩ ትም ኢለ ኣለኹ።


 ይኹን እምበር ብዛዕባ ሞታ ዝምልከት ዝተረኽበ ነገር እኳ እንተዘይሃለወ፡ ኣነ ግን ሓደ ነገር ብዛዕባ ቅድስት ድንግል ማርያም ይረክብ ይኸውን እየ ኢለ ተስፋ ይገብር። ስምኦን ኣረጋዊ ኣብ ነፍስኺ ሰይፊ ኪኣቱ እዩ ኢልዋ ኔሩ።(ሉቃ 2:35) ኣብ ራእይ ዮሐንስ ውን “እቲ ገበል ከኣ ናብ ምድሪ ኸም እተደርበየ፡ ምስ ረኣየ፡ ነታ ተባዕታይ ሕጻን ዝወለደት ሰበይቲ ሰጐጓ።14 ነታ ሰበይቲ ኸኣ፡ ካብ ገጽ እቲ ተመን ርሒቓስ ዘመንን ዘመናትን ፈረቓ ዘመንን ክትምገብ፡ ናብ በረኻ ናብቲ ስፍራኣ ምእንቲ ኽትነፍር፡ ክልተ ኽንፊ ናይቲ ዓብዪ ንስሪ ተዋህባ”
ይብል።

 ምናልባት እዚ ኣብኣ ተፈጺሙ ይኸውን። ርግጸኛ ኮይነ ኪዛረብ ኣይክእልን እየ።ኪሳብ ሕጂ ሞት ከይጠዓመት ኣላ ማለተይ ኣይኮንኩን። እንተኾነ ግን ብሞት ከም ዝተወስደት ዝዛረብ ክሳብ ሕጂ ኣይረኸብኩን። ብዛዕባ እዛ ፍልይቲ ዝኾነት ልብሰ ክህነት ብዝምልከት መጻሕፍቲ እቲ ጉዳይ ኣብ ጠልጠል እዮም ገዲፎሞ። ስለ’ዚ ማንም ብዛዕባኣ ብዝምልከት፡ ብዛዕባ ስጋዊ ደማዊ ፍቓድ ምዝራብ ኣይክእልን እዩ” ይብል።

ቪክቶርያነስ  ድማ “ክልተ ክንፊ ኣብ ዘመን ሓሳዊ መሲሕ ንቤተ ክርስቲያን ዝራድእዋ ኤልያስን ሄኖክን እዮም” ይብል።(ራእ 11:1-3)


ኣቡሊድስ ዘሮም “ክልተ ኣኽናፍ ንቤተ ክርስቲያን ዝድግፉ ኣእዳው ናይ እግዚአብሔር እዮም” ይብል። “ናይ ጽድቂ ፀሓይ ክትወፀልኩም እያ ፈውሲ ውን ኣብ ኣኽናፋ እዮም” ከም ዝብል ነቢይ ሚልክያስ (ሚል 4፡5)



ሓደ ሓደ መተርጉማን “ድማ ክልተ ኣኽናፍ እምነትን ምግባርን እዮም” ይብሉ። ብርግጽ ውን ቤተ ክርስቲያን ካብ ሓሳዊ መሲሕ እተምልጠሎም ኣኽናፍ እምነትን ግብርን እዮም። ብሓደ ክንፊ ዝበርር ዑፍ ከም ዘየለ፡ ከምኡ ድማ ግብሪ ዘይብሉ እምነትን እምነት ዘይብሉ ግብርን ክልቲኦም ምውታት እዮም።(ያዕ 2:14-20)

Wednesday 25 May 2016

መልሲ ንልቡሳነ ሥጋ ኣጋንንት መበል 17 ክፋል


ሰብ ምስ ሞተና እንታይ ንግበር?

 እዞም ደቀይ! ክርስቲያን ኪዓርፍ ከሎ ኣገባብ ዘይብሉ መልቀስ ኣይልቀስን እዩ። ዓቢ ዚኾነ ሥርዓት እናተኻየደ ከሎ መልቀስ ኣይግባእን እዩ። እልምነኩም ኣለኹ! እስከ ኪሓተኩም እሞ ንስኻትኩም ድማ መልሱለይ! ኵላትና ኣብ ሓደ ቦታ ተኣኪብና ከለና፡ ናይ ሃገርና ንጉሥ ንሓደ ካባና ናይ ጻውዒት ደብዳቤ ልኢኹ፡ ንናይ ድራር ግብጃ ዓደሞ ንበል። እስከ ሕጂ ካባና ምእንቲ እዚ ናብ ናይ ንጉሥ ናይ ድራር ግብጃ ዝኸደ ሓውና ዘልቅስ መን ኣሎ?

 እዞም ደቀይ! እዚ ካባና ብሞት ዝተጸውዐ ሓውና ውን እኮ ምስ’ቲ ንጉሥ ናይ ሰማይን ምድርን እዩ ዘሎ። ዝዕጅብዎ ድማ ቅዱሳን መላእኽቲ ድኣ እምበር ናይ ምድሪ ሰልፈኛታት ኣይኮኑን። እሞ’ኸ ድኣ ነዚ ሓውና ይልቀሰሉ ድዩ? ሓውና ናብ ሰማያዊት ቤቱ ኪኸይድ ከሎ ዘሎ ምሥጢር ኣይረኣየኩምን? ከመይ ብዝበለ ይባቤ፡ ከመይ ብዝበለ ዕልልታ፡ ከመይ ብዝበለ ምስጋና ይኸይድ ከም ዘሎ ዶ ኣይተስተውዕሉን ኢኹም? እሞ’ኸ ድኣ እዚ ናይ ዋይዋይታን ናይ ልቕሶን ጊዜ ኪኸውን ዶ ይግባእ እዩ? ዓቢ መለኮታዊ ምሥጢር እኮ እዩ ዝፍጸም ዘሎ። ነፍሱ ናይ ሥጋ ኣዳራሻ ገዲፋ ናብ ጐይታኣ ኪትጎዪ እናረኣናያ ከነልቅስን ገጽና ኪንነጽይን ዶ ይግብኣና እዩ? ከመይ ጌርካ እዩ ኸ ንሰብ ኣብ ዕለተ ልደቱ ዝብከየሉ? ምኽንያቱ እዚ ልደት እዚ ካብቲ ካብ ኣቦናን ኣዴናን እንውለዶ ልደት ንላዕሊ ኣዝዩ ዝጸበቐን ዝበለጸን እዩ። ኣብ’ዚ ሰዓት እዚ (ኣብ ጊዜ ሞት) ነፍሲ ናብ ፍሉይ ዝኾነ ብሩህ ዓለም ትኸይድ፡ ካብ ናይ ማእሰርቲ ቤታ ትላቐቕ፡ ጉያኣ ድማ ትውድእ። ብምግባርን ሃይማኖትን ጸኒዑ ንዝነበረ ሰብ ከም’ዚ ጌርካ ኪልቀሰሉ ኣይግባእን።

 ሕፃናት ኪመቱ ከለዉ ኸ ከም’ዚ ኪንከውን ይግባእ ዶ? እንታይ ዝውቀስ ነገር እሞ ኣለዎም እዩ? ሓደስቲ ብዝተጠመቑ ክርስቲያን ከ? ስለምንታይ ኢና ክንድዚ ንሓዝን?

 ፀሓይ እናወጸት ኣብ ትመጸሉ ፀዳል ብርሃና እናጸረየ ይመጽእ፡ ነፍሲ ውን ካብ ናይ ሥጋ ኣደራሻ ኪትፍለ ከላ ኵለንትናኣ እናጸረየትን ብክብሪ እናደመቐትን እያ ትርአ። ብርሃን ናይ’ዛ ነፍሲ ከም’ቲ ሓደ ንጉሥ ናብ ሓንቲ ከተማ ኪኣቱ ከሎ ነታ ከተማ ዝመልኣ ብርሃን ኣይኮነን። እዞም ደቀይ! እስከ ኣብ’ቲ ሰዓት እቲ (ኣብ ጊዜ ሞት) ንነፍሲ ዝሕዛ ምድናቕ፡ ምግራምን ሐሴትን ብዓይኒ ኀልናኹም ሰኣልዎ! ነዚ እናረኣየ ዝሓዝን ድኣ መን እዩ?

 መልቀስ ነቶም ምስ ኃጢአቶም ዝሞቱ ሰባት እዩ ዝግባእ። ከም’ዚ ዓይነት ሓዘን ኣነ ውን ኣይቃወሞን እየ። እዚ ዓይነት ሓዘን ሐዋርያዊ እዩ። ከም’ዚ ዓይነት ሓዘን ምሕዛን ንክርስቶስ ምምሳል እዩ። ምኽንያቱ ጐይታና ነታ ካብ ኃጢአታ ኣይምለስን እየ ዝበለት ኢየሩሳሌም ኣልቂስላ እዩ። ናይ ሓዘንናን ናይ መልቀስናን ሥርዓት ከም’ዚ ኪኸውን ኣለዎ።

 ተነሲሑ ንዝሞተ ሰብ “ኣደይ መዓረይ ተመለሲ፡ ሓወይ መዓረይ ኣይትሙተኒ!” ዓይነት እንተኾይኑ ግን፡ ኪልቀሰልና ዝግባእ ንዓና ድኣ እምበር ነቲ ብሥጋ ዝተፈለየ ኣይኮነን። ምስ ኃጢአቱ እንተሞይቱ ግና ኣልቅስሉ። ነዚ ከም’ዚ ዝበለ ሰብ’ሲ ኣነ ውን ሓቢረ ከልቅስ እየ። ንምንታይ’ሲ ዝጽበዮ ዘሎ እሳትን ሓለንግን እናረኣኹ ንከልቅሰሉ እዩ ዝግድደኒ። ነዚ ምስ ኃጢአቱ ዝሞተ ሰብ ንስኻትኩም ጥራይ ዘይኮንኩም፡ ብምሉኦም ሰብ ናይ’ታ ከተማ ከልቅስሉ ይግባእ። ሓቀኛ ሞት ዝበሃል እዚ ስለ ዝኾነ፡ ክፉእ ሞት ዝበሃል እዚ ስለ ዝኾነ፡ ናይ ኃጢአተኛ ሞት!

 ሞት ናይ ኃጢአተኛ ሰብ መልቀስ ይግብኦ። ኣብ ቅድሚ ክርስቶስ ቆይሙ ዝምልሶ መልሲ ኪስእን ርኢኻ፡ ዘፍርሕ ናይ ፍርዲ ቃል ኪሰምዕ ከሎ ተመልኪትካ ንኸም’ዚ ዝዓይነቱ ሰብ ሓዘን ይግባእ። ከም’ዚ ዝዓይነቱ ሰብ ብዘይካ ንኃጢአት ንማንም ካልእ ዕላማ ስለ ዘይነበረ ኪልቀሰሉ ይግባእ። ነዞም ሰባት እዚኣቶም እንተዘይውለዱ ምሓሾም ኔሩ(ማር 14፡21)

 እስከ ነዚ ኣስተውዕሉ! ሓደ ሰብ ብዘይ ማንም ዕላማ ንዕስራ ዓመታት ምስ ዝነብር፡ ነዚ ዝኣክል ዘመን ብከንቱ ከም ዘሕለፈ ተረዲኡ ኣየልቅስን ዶ? ካብ ኵሉ ሰብ ዝሓመቐ ሰነፍ ሰብ ከም ዝኾነ ዶ ኣይሓስብን? ንሓንቲ መዓልቲ እኳ ትኹን ንነፍሱ ከይነበረ፡ መላእ ዘመኑ ኣብ ምቾትን ኣብ ክፉእ ግብርን ምንቀኝነትን ንኃጢአትን ንዲያብሎስ ጥራይ ንዝነበረ ሰብ እሞ ከመይ ዘይልቀሰሉ? ከም’ዚ ንዝበለ ሰብ ኪልቀሰሉ ኣይግባእን ዶ? ካብ’ቲ ዝረኽቦ እሳት ነጢቕና ከነውጽኦ ዶ ኣይንደልን ኢና? እወ! ፍቓደኛታት እንተኴንና ነዚ ሰብ እዚ ካብ’ቲ ዝረኽቦ ምረረ ገሃንም ከነውጽኦ ንኽእል ኢና። ከይሰልቸወና ንጽልየሉ እንተኴንና፡ ከየቋረጽና ምጽዋት ንህበሉ እንተኴንና ከነድሕኖ ንኽእል ኢና። ዋላ እኳ ድሕነት ዘይግብኦ ሰብ እንተኾነ፡ እግዚአብሔር ናትና ጸሎት ይሰምዕ እዩ።

 ቅዱስ ጳውሎስ ነቶም ምሕረት ዘይግብኦም እኳ ምሕረት ዝገብረሎም ካብ ነበረ (2ይ ቆሮ 1፡11 2፡10) ንሕና ድማ ካብ’ዚ ንላዕሊ ኪንገብር ይግብኣና። ከምዚ እንተድኣ ጌርና፡ ፈቲናን ፈቒድናን ንሓውና ንረድእ እንተኴንና፡ ምእንታኡ ኢልና ዝሑል ማይ ንህበሉ እንተኴንና፡ ካብ’ቲ ኣሰቃቒ እሳት ኪድሕን ይኽእል እዩ።

 ብሕይወተ ሥጋ ከሎ ዶ ምጽዋት ኣይሃበን እዩ? እግዚአብሔር ኣብ መወዳእታ ዕለት መታን ከድሕኖ ሰበይቱን ኣዝማዱን ብእምነት ይሃብሉ። ብዙሕ ኃጢአት ሠሪሑ እንተኮይኑ፡ ብዙሕ ምጽዋት ይሃብሉ። ባዕሉ ንእሽተይ ሂቡ እንተዝኸውን እኹል እኳ እንተነበረ፡ ንሕና ብዙሕ እንተሂብናሉ ድማ ይኣክል እዩ። እዞም ደቀይ! ነዚ ምስ ኃጢአቱ ዝሞተ ሰብ ሓወልቲ ኪንሠርሓሉ ኢልና ጸደፍደፍ ኣይንበል። ኣብ’ዚ ምድሪ መዘከርታ ንኸነቚመሉ ኢልና ንጓየ ኣይንኹን። እቲ ሓቀኛ መዘከርታ ምጽዋት እዩ። ብስሙ ንመጽውት ሽዑ መታን ኪጽልይሉ ንነዳያን ስመ ክርስትናኡ ንንገሮም። እዚ ምስ እንገብር እግዚአብሔር ኪርህርሃሉ እዩ። እቲ ሰብ ባዕሉ እኳ ነዚ እንተዘይገበረ፡ ካልኦት ሰባት ኣብ ክንድኡ ስለ ዝሃብሉ እዚ ካብ እግዚአብሔር ምሕረት ንኽረክብ ኪገብሮ እዩ። እቶም ብስሙ ዝተመጽወተሎም ሰባት (ነዳያን) ካብ’ዚ ጊዝያዊ ሞት ዘይኮነ፡ ካብታ ዘለዓለማዊት ናይ መወዳእታ ሞት ንኽድሕን ኣብ ቅድሚ እግዚአብሔር ይማልዱ።

እዞም ደቀይ! ንሕና ጥራይ ሸለልተኛታት ኣይንኹን እምበር ናይ እግዚአብሔር ናይ ምድሓን ጥበቡ ብዙሕ እዩ። ቤተ ክርስቲያን ምእንቲ ሙታን ትጽልዮ ጸለት ንከንቱ ኣይኮነን። ምጽዋት ዝወሃብ ውን ንከንቱ ኣይኮነን። መንፈስ ቅዱስ ነዚ ኪንገብር ዝኣዘዘና ነንሕድሕድና መታን ኪንጠቓቐም ድኣ እምበር ንከንቱ ኣይኮነን። እዞም ደቀይ! ዝሞተ ሓውኹም ብምጽዋትኩም ከም ዝጥቀም ቅንጣብ ውን ትኹን ኪትጠራጠሩ የብልኩምን። ኣብ ጊዜ ቅዳሴና ዲያቆን “ምእንቲ እቶም ብክርስቶስ ዘዕረፉ ሰባት ጸልዩ” ኢሉ ዝእውጅ ንከንቱ ኣይኮነን። ነዚ ዝእውጅ ግን እቲ ዲያቆን ከይመስለኩም፡ መንፈስ ቅዱስ እዩ። እቲ ዲያቆን ነዚ ኪእውጅ ከሎ ኣብ ዙርያኡ ኣእላፍ መላእኽቲ ኣለዉ፡ ሊቃነ መላእኽቲ ኣለዉ ወልደ እግዚአብሔር ኣሎ። እሞ እዚ ኣዋጅ ድኣ ንከንቱ ዶ ይመስለኩም? ምእንቲ ቅድስቲ ቤተ ክርስቲያን፡ ምእንቲ ካህናት ብሓፈሻ ምእንቲ መላእ ህዝበ ክርስቲያን ዝቐርብ ጸሎት ንከንቱ ዶ ይመስለኩም? በፍጹም! ኵሉ ዝግበር ብእምነት እዩ።

ኣብ’ኡ ኣብ’ቲ ናይ ቅዳሴ ጊዜ ምንቲ ሰማዕታት ዝቐርብ ጸሎት ንከንቱ ዶ ይመስለኩም? ሓወይ! ቅዳሴ ፍሉይ ምሥጢር እዩ። ኣብ ቅዳሴ’ኮ ዘየለ የለን። ስለ’ዚ ኣብቲ ሰዓት እቲ ቤተ ክርስቲያን ምዝኽኻራ ትኽክል እዩ። ሓደ ምድራዊ ንጉሥ ኣብ ማእከልና ምስ ዝመጽእ ከም’ዚ ግበረልና፡ ከም’ዚ ግበረልና እናበልና ንሓቶ ዶ ኣይኮንናን? ከም’ኡ ኢልና ምስ ሓተትናዮ’ኸ ኵሉ ዝሓተትኩሞ ከንቱ እዩ ዶ ይብለና እዩ? ኣይብልን እዩ። ስለ’ዚ ኣብ ጊዜ ቅዳሴ ቤተ ክርስቲያን ምእንቲ ኵሉ ምዝኽኻራ (ምልማና) ኸ ከመይ ኢሉ ከንቱ እዩ ይበሃል?


 ስለ’ዚ ብእምነት ድኣ ነቕርበሎም እምበር ምንም ኣይጠቕሞምን እዩ እናበልና ሸለል ንብል ሰባት ኣይንኹን። ነቶም ዝሞቱ ኣሕዋትና ዘየድሊ ሓዘን ካብ ንሓዝነሎም፡ ዘየድሊ ሓወልቲ ካብ ነቚመሎም፡ ንጸልየሎምን ንመጽውተሎምን መሥዋዕቲ ድማ ነቕርበሎምን። ከም’ዚ እንተድኣ ጌርና ንዓኣቶም ኪንጠቕሞም ኢና፡ ንሕና ንርእስና ውን ኪንጥቀም ኢና። (ቅዱስ ዮሐንስ ኣፈወርቅ)

Friday 20 May 2016

ጻድቕ ኣቦና ተክለ ሃይማኖት 1ይ ክፋል



በእንተ ክቡር ኣቡነ ተክለሃይማኖት እምኢትዪጵያ ሰደዴ ጽልመት እግዚአ መናፍስት ህብአነ እምገጸ ሞት በእንተ ጸጋ ዘአብ አቡከ ወእግዚእ ኃረያ እምከ ተማህጸነ ውሉድከ ምህላነ ስማዕ በዕዝንከ ኢታርምም ኣባ ወኢትጸመም ተክለሃይማኖት ብእሴ ሰላም
   ጻድቕ ኣቡነ ተክለ ሃይማኖት ካብ ኣቡኦም ካህን ጸጋ ዘአብን ኣዲኦም እግዚእ ሃረያን ብታኅሳስ 24 1197 ተወሊዶም።ኣቦና ካብ ዝተወልድሉ ኣብ 3ይ መዓልቲ ብዕለተ ሰንበት ካብ ሕቚፎ ኣዲኦም ወሪዶም “ሓደ ኣብ ቅዱስ እዩ ሓደ ወልድ ቅዱስ እዩ ሓደ መንፈስ ቅዱስ ውን ሓደ እዩ” ኢሎም ብተኣምር ኣመስገኑ። “ካብ ኣፍ ቆልዑን ሕፃናትን ምስጋና ኣዳለኻ” ከም ዝብል ቅዱስ ዳዊት። ኣብ 40 መዓልቲ ድማ ናብ ቤተ ክርስቲያን ወሲዶም “ፍስሐ ፅዮን” ብዝብል ስም ኣጠመቕዎም። ወዲ ዓመትን 3 ወርኅን ምስ ኮነ ኣብ ከባቢ ሽዋ  ደርቂ ኮይኑ ህዝቢ ዝብላዕ ስኢኑ ኣብ ከቢድ ጥሜት ነበረ። ኣቡኡ ካህን ጸጋ ዘአብ ድማ ነቲ ዘኽብርዎ በዓል ናይ ቅዱስ ሚካኤል ዝኸውን እኽለ ማይ ስኢኖም ኣብ ቤት መቕደስ ኮይኖም ከልቅሱ እንከለዉ ሰበይቶም ድማ ኣብ ኣፍ ደገ ገዝኣ ኮይና ትኃዝን ነበረት። ነዚ ዝረኣየ ሕፃን ግና ነዲኡ ነቲ ዝነበራ ቊሩብ ሓርጭ ከተምጽኦ ነገራ ምስ ኣምጸኣትሉ ኢዱ ምስ ኣንበረሉ እቲ ሓርጭ በርከተ። ነቲ መትኃዚ ዘይቲ ውን ብተኣምራቱ መልኦ በዚ ድማ በዓል ናይ ቅዱስ ሚካኤል የሕለፍዎ። ክሳዕ ወዲ ሾብዓተ ዓመት ዝኸውን ቅዱሳት መጻሕፍቲ እናመሃሩ የዕበይዎ፡ ወዲ 15 ዓመት ምስ ኮኑ ኣቡኦም ናብቶም ኣብቲ ጊዜ እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ጳጳስ ዝነበሩ ግብጻዊ ቅዱስ ቄርሎስ ወሰድዎም። ቅዱስ ቄርሎስ ኣቐዲሙ መልኣኽ እግዚአብሔር ጽባሕ ሓደ ሕፃን ክመጸካ እዩ ተቐቢልካ ዲቁና ሽሞ ኢልዎ ስለ ዝነበረ፡ ርእይ ምስ ኣበልዎ ተቐቢሎም ሸምዎም። ከምቲ ኣብ ከባቢኦም  ዝነበረ ታዕሊም ናይ ፈረስን ሃድን አራዊትን ተማህሩ። 

 ሓደ ካብ መዓልታት ምስ ብጾቶም ኣብ ሃድን እንከለዉ ቅዱስ ሚካኤል ተገሊጹ ካብ ድኅር ሕጂ ኣራዊት ዘይኮነ ሰባት ክትሃድን ኢኻ ድዉይ ናይ ምፍዋስ ኣጋንንቲ ናይ ምውፃእን ምዉት ናይ ምትንሣእን ሥልጣን ካብ እግዚአብሔር ተዋሂብካ ኣሎ፤ ስምካ ድማ ፍስሐ ጽዮን ዘይኮነ ተክለ ሃይማኖት ተባሂልካ ክትጽዋዕ ኢኻ፡ ተክለ ሃይማኖት ማለት ድማ ተክለ አብ ተክለ ወልድ ተክለ መንፈስ ቅዱስ ማለት እዩ። ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስውን ተገሊጹ ሓዋርያት ናብ ዘይበጽሕዎ ምድሪ ንኽልእኸካ ብቕዱስ ሚካኤል ገይረ ሓድሽ ስም ብምሃብ ሓድሽ ሓዋርያ ጌረካ ኣለኹ። 22 ዓመት ምስ መልኦም ናብ ኣባ ቄርሎስ ብምኻድ ቅስና ተቐቢሎም ኣቡኦም ብዘገልገሉሉ መዓርግ ኣቡኦም ኣብ ዘገልግልሉ ደብሪ ከገልግሉ ጀመሩ። ብመጀመርታ ኣዲኦም ቀጺሎም ድማ ኣቡኦም ምስ ዓረፉ ዘለዎም ኵሉ ሸይጦም ንድኻታት ብመሃብ ገዝኦም ብኽፍቱ ገዲፎሞ ወፁ። ብዙኃት ሕዝቢ ድማ ነቲ ብስም እግዚአብሔር ዝገብርዎ ብዙኅ ተኣምራት ርእዮም ብስም ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣሚኖም እናተጠመቑ ተኸተልዎም። ኣብቲ ጊዜ እቲ ኣብ ከባቢ ቡልጋ ኣብ ዕንጨት ዝኣምኑ ኣብ ባሕሪ ዘምልኹ መድኃኒት ዝቓምሙ ጠንቆልትን መምለኽቲ ጣዖትን መሊኦም ስለ ዝነበሩ፡ ኣቦና ነዚ ምስ ሰምዑ ሩባ ተሳጊሮም ብምኻድ ነቲ ሕዝቢ ካብቲ ኂዝዎ ዝነበረ እንስሳዊ ባህሪን ዘምልኾ ዝነበረ ገረብን ገዲፉ ናብ ኣምልኾ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ክምለሱ እናገሠፁ ወንጌል ክምህርዎም ጀመሩ። እቲ ሕዝቢ ግና ክሰምዖም ኣይከኣለን ብኣንጻሩ ትምህርቲ ወንጌል ከቋርጽዎ ኣዘዝዎም። ኣቦና ግና ብፍጹም እምነት ናብቲ እቶም ሕዝቢ ዘምልኽዎ ገረብ ከዱ፡ ኣብቲ ገረብ ዝኃደረ ሰይጣን ኣነ ፈጣሪኹም እየ ዝብል ድምፂ የውፅእ ነበረ። ኵሎም ሕዝቢ ድማ ነቲ ገረብ ይሰግድሉን ዝደለዮ ይሥውዕሉን ነበሩ። 


ኣቦና ምስቶም ሕዝቢ ናብቲ ገረብ ምስ ቀረቡ ኣብቲ ገረብ ኃዲሩ ዝምለኽ ዝነበረ ሰይጣን “ነዚ ሰብ’ዚ ኣይተቕርቡለይ” እናበለ ከጉርዕ ጀመረ። እቶም ደቂ ዓዲ ድማ ነቦና ገዲፎም ናብቲ ገረብ ከዱ፡ ኣቦና ግና ገጾም ናብ ምብራቕ ኣቢሎም ኢዶም ዘርጊሖም ናብ ፈጣሪኦም ምእንቲ ወገናቶም “ ኦ ጐይታ ነዚ ኣብ ልዕሊ ፍጥረትካ ዚሠልጠነ ሰይጣን ኣብ ትሕቲ እግርና ኣርግጸልና፡ ነዚ ሰይጣን እዚ ኣዋርዶ፡ ዘውትር ክረድኣካ እዩ ዝበልካኒ መልኣኽ ቅዱስ ሚካኤል ልኣኸለይ፡ ናይዚ ሰይጣን ኃፍረቱ ግለጽ፡ ጐይታ እግዚአብሔር ምግባር ካባኻ እዩ፡ኣብዞም ዝተኣከቡ ሰባት ስምካ ይገለጽ፡ ሥራሕካ  ይፈለጥ ንስኻ ዓቢ ምዃንካ ይፍለጡ” እናበሉ  ክጽልዩ ጀመሩ። ናብቲ ሕዝቢ ዘምልኾ ገረብ ተመሊሶም “ ኣንቲ ሰይጣን ኣባኺ እናኃደረ ሕዝቢ ዘስሕተልኪ ገረብ፡ እዚ ሕዝቢ ኃይሊ እግዚአብሔር ምእንቲ ክርኢ በቲ ኣነ ዝኣምኖን ዝሰግደሉን ብስም ኢየሱስ ክርስቶስ ካብቲ ዘለኽዮ ተላዒልኪ ናባይ ክትመጽኢ እእዝዘኪ ኣለኹ” ኢሎም ኣዘዝዋ። ሕዝቢ ናብታ ገረብ እናሰገደ እታ ገረብ ግና እግሪ ከም ዘለዋ እና ተጓዕዘት ኣቦና ጻድቕ ተኽለሃይማኖት ናብ ዘለውዎ ቦታ ኸይዳ ቆመት። እቲ ኣብታ ገረብ ዚኃደረ  ሰይጣን ድማ “ኣታ ክፉእ ሰብ እቲ ዝገደፍኩልካ መላእ ኣውራጃ ከይ ኣኽለካስ ነዞም ኣብዚ ዘለዉ ባሮተይ ኪትምንጥለኒ መጺኻ” እናበለ ጨርሐ። ብድኅሪ እዚ ቕዱስ ሚካኤል ካብ ሰማይ ከም መብረቕ ብምውራድ ንሰይጣን ሓኒቑ ኃዞ። በዚ ጊዜ ሰይጣን “ሚካኤል ጊዜይ ከይበጽሐ ኣይተጥፍኣኒ ድኅሪ ሕጂ እዚ ሰብዚ ኣብ ዘለዎ ቦታ ኣይቀርብን እየ” እናበለ ጨደረ። ብድኅሪ እዚ እቶም ደቂ ዓዲ ናብ ኣቦና ጻድቕ ተክለ ሃይማኖት ቀሪቦም “ኦ ናይ ሕይወት ብርሃን ኣቦና ናብቲ ዝፍቶ ናይ ወንጌል ጐደና ምርሓና” እን በሉ ኣብ እግሩ ወደቑ። ቦታ ክሳዕ ዝጸቦም ንኣሽቱን ዓበይትን ኣወዳትን ኣዋልድን ተኣኪቦም “ንሕና ውን በቲ ትኣምኖ ኣምላኽ ኣሚንና ኣለና” በልዎም። ኣቦና ድማ “መጽኣት” ናብ ዝተባህለት ሩባ ወሪዶም ነቲ ማይ ብምብራኽ ብስም ኣብን ወልድን መንፈስ ቅዱስን ኣጠመቕዎም።... 


ቅዱስ ዮሐንስ ኣፈወርቅ



ቅዱስ ዮሐንስ ኣፈወርቅ ካብቶም ዓበይትን ዝዓበየ ክብሪ ዝሓዙን ናይ ቤተ ክርስቲያን ኣቦታት ሓደ ኢዩ። ቅዱስ ዮሐንስ ኣፈወርቅ ኣብ ኣንጾክያ ዝተባህለት ናይ ሶርያ ከተማ 344. ተወልደ። 381 ዓም ብኢድ መሊትዮስ ዝተባህለ ሊቀ ኤጲስቆጶስ ብኣንብሮተ እድ ዲቁና ተሾመ፡ 386 . ድማ ብናይ ኣንጾክያ ሊቀ ኤጲስ ቆጰስ ፍላቪያን ቅስና ተቐበለ። ቅዱስ ዮሐንስ ኣፈወርቅ ብትርጓሜ መጻሕፍትን ብነገረ መለኮትን ኣዝዩ ዝለዓለ ፍልጠት ዘለዎ ኣቦ ነበረ። ብወገን ስብከተ ወንጌል ድማ ፍሉይ ጣዕሚ ቃልን ዓሚዩቕ ምሥጢርን ዝተዓደለ ስለ ዝነበረ ብጣዕሚ ስብከቱ ዝተመሰጡ ምእመናንኣፈወርቅ” (ክሪሶቶሞስ) ብምባል ሰመይዎ።

 ቅዱስ ዮሐንስ ኣፈወርቅ ብስግደትን ጸሎትን ዓቢ ናይ ገድሊ ኣቦ ስለ ዝነበረ፡ ብሕዝበ ክርስቲያንን ብቤተ መንግሥትን ምርጫ ንሱ ከይፈቐደ ብግዲ 398 . ናይ ቊስጥንጥንያ ፓትርያርክ ኮይኑ ተሾመ። ቅዱስ ዮሓንስ ኣፈወርቅ ሓቀኛ ኖላዊ (ሕያዋይ ጓሳ) ስለ ዝነበረፍርዲ ጎደለ ድኻ ተበደለእናበለ ብምምሃሩ ምስ ንግሥቲ ኤብዶክስያን ተኸተላታን ክሰማማዕ ኣይከኣለን። በዚ ምኽንያት ምስ ንጉሠ ነገሥት ኤርካድያ ውን ተጻልአ። ስለ ዝተወሰኑ ናይ ቤተ መንግሥቲ ሓሳብ ዝድግፉ ኤጲስቆጶሳት፡ ናይታ ንግሥቲ መሳርሒ ኮይኖም 29 ናይ ሓሶት ነጥብታት ከሰስዎ። 

 
404 . ድማ ኣውጊዞም ንስደት ኣቃልዕዎ። ቅዱስ ዮሐንስ ኣፈወርቅ ካብ መንበረ ፓትርያርክ ብሓይሊ ናይ ወተሃደራት ተገዲዱካቭካዝናብ ዝተባህለ ቦታ ተወስደ። ካቭካዝ ኣብታ ካልኣይቲ ግዝኣት ናይ ኣርሜንያ ኣብ ጥቓ ጸሊም ባሕሪ እትርከብ ኣውራጃ ኢያ። ቅዱስ ዮሐንስ ኣፈወርቅ ኣብ ስደት (ግዞት) እንከሎ ካብ ጽንዓተ ተጋድሎኡ ዝተላዕለ ብ12 ግንቦት 407 . ዓረፈ። ብድሕሪ 438 . ብትእዛዝ ቅዱስ ፕሮክልዮስ ርእሰ ኤጲስ ቆጰስ ናይ ቅዱስ ዮሐንስ ኣፈወርቅ ዓጽሚ ናብ ቁስጥንጥንያ ከም ዝምለስን ኣብ ናይ ቅድስት ሶፍያ ቤተ ክርስቲያን ከም ዝዓርፍን ተገብረ።


 ቅዱስ ዮሐንስ ኣፈወርቅ ዓቢ ተርጓሚ ናይ ቅዱሳት መጻሕፍትን ዝተመስገነ ሰባኺ ወንጌልን ነበረ። ብተወሳኺ ውን ኣዝዩ ዝተፈለጠ ደራሲ ስለ ዝነበረ ብዝተፈላለዩ መንፈሳዊ ኣርእስትታት ጽሒፉ ኢዩ። ካብቶም ዝጸሓፎም ብዙሓት ድርሳናት ብዛዕባ ክብርን ቅድስናን ናይ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ዝነግር ድርሳን ዓቢ ቦታ ሒዙ ይርከብ። ካብቶም 14 ናይ ቤተ ክርስቲያንና ቅዳሴያት ሓደ ቅዳሴ ዘዮሐንስ ኣፈወርቅ ብምባል ዚፍለጥ ውን ናቱ እዩ። ብሓፈሻ ልዕሊ 900 ዝኣኽሉ መጻሕፍቲ ወሪቕልና ዝኸደ ቅዱስ ኣቦ እዩ። በረኸቱ ምስ ኩልና ይኹን!!!