bieteelyas.blogspot.com ቤተ ኤልያስ

Tuesday 28 March 2017

ትምህርተ ጾም ዘኦርቶዶክስ መበል 21 ኽፋል

 ስለዚ ነፍሰይ ኣብ ቤት እግዚአብሔር እተገልግሊ ግና ኸኣ ፍቕሪ እግዚአብሔርን ምስቶም እግዚአብሔር ዘገልግሉ ኣኅዋትን ኣቦታትንውን ብፍቕርን ሰላምን ዘይትነብሪ እንተ ኾንኪ ጠፊእኪ ምህላውኪ ፍለጢ። ምድብኪ ምስቶም ንእግዚአብሔር ዘይፈልጡ ናይ እግዚአብሔር ኣገልገልቲ ዝተባህሉ ናይ ሞት ምድብ ምዃኑ ድማ ኣይትዘንግዒ።

 መኣስ እዚ ጥራይ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ መዋእለ ስብከቱ ብተኣምራት ካብ ዜተንሥኦም ሠለስተ ሰባት ኣብነት ምስ እንወስድ “እቲ ቐዳማይ ካብ ዝመውት ኣብ መቓብር ኣርባዕተ መዓልቲ ዝገበረ ኣልኣዛር እዩ /ዮሓ 11/። ኣልኣዛር ናይቶም ካብ ቤተ እግዚአብሔር ወፂኦም ክምለሱ ይኽእሉ እዮም ኢልካ ኣብ ዘይትግምቶም ፍጹም ርኽሰትን ኃጢአትን ዝተደርበዩ እሞ ብኃይሊ ኣምላኽን ብምሕረቱን ግና ካብ ዝነበርዎ ዓዘቕቲ ወፂኦም ናብ ቤተ ክርስቲያን ዝምለሱ ሰባት ምሳሌ እዩ። እቲ ኻልኣይ ድማ ሞይቱ ኣብ ቃሬዛ ተፀይሩ ካብ ቤቱ ዚወፅእ ዝነበረ ወዲ እታ መበለት በዓልቲ ናይን እዩ /ሉቃ 7፤12/። እዚ ድማ ናይቶም ካብ ቤተ እግዚአብሔር ክወፅኡ እንከለዉ ቤተ ክርስቲያን እትበኽየሎም ክርስቲያን ምሳሌ እዩ። ብድኅዚ ጐይታ ካብ ሞቱ ምስ ኣተንሥኦ “ነዲኡ ሃባ” /ሉቃ 7፡15/ ኢሉ ምዝራቡ ድማ፡ ከምዚ ዓይነት ሰብ ብኃይሊ ኣምላኽ ከም ዚትንሥእ እዩ ዘረድእ። ነዲኡ ሃባ ማለት ድማ ነዲኡ ቤተ ክርስቲያን ማለት እዩ፡ እቲ ምንታይ ካብ ቤተ ክርስቲያን ወፃኢ ድኅነት ስለ ዘየለ።

 እታ ሣልሰይቲ ዝሞተት ግና ኣብ ውሽጢ ቤት ኣቡኣ ምስ ሞተት ጐይታና ኸይዱ ካብ ሞት ዜተንሥኣ ወለተ ኢያኢሮስ እያ። ንሳ ድማ ናይዞም ከምዚ ኸማይ ማለት ኣብ ውሽጢ ቤት ኣቦና ዝኾነ ቤተ እግዚአብሔር ነገልግል ኣለና እናበልና ብመንፈስ ግና ዝሞትና ሰባት ምሳሌ እያ። ነዚ ድማ እዩ ጐይታ “ደቂሳ እያ ዘላ እምበር ኣይሞተትን” ዝበላ /ሉቃ 8፤52/። ካብ ሞት ምስ ኣተንሥኣ “ዝብላዕ ሃብዋ” /ሉቃ 8፤52/ ምባሉ ድማ ከምዚ ዓይነት ሰብ መንፈሳዊ መግቢ ትምህረተ ወንጌልን ሥርዓተ ቤተ ክርስቲያንን እናተማህረ ቃለ እግዚአብሔር ክምገብ ከም ዘለዎ እዩ ዝገልጽ /ኣሞጽ 8፡11/። 

 ስለዚ ነፍሰይ ንስኺውን ተንሥኢ ተበራበሪ እቲ ብርሃን ዓለም ዝተሰመየ ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ “ሕጂ ካብ ድቃስ እትበራበርሉ ዘመን ከም ዝበጽሐ ነዛ እዋን ፍለጥዋ” ብምባል ዝመዓደኪ ቃልውን ዘክሪ። ነፍሰይ መኣስ እዚ ጥራይ፡ ወዮ ንከይተስተውዕልዮ ደኣ ገዛኢ እዛ ዓለም እዚኣ ዝተባህለ ዲያብሎስ ብፍቕሪ ገንዘብ ብፍቕሪ ሽመትን ውዳሴ ኸንቱ ካብ ሰባት ብምድላይን ካልእ ንእኡ ዝኣመሰለ ሥጋዊ ነገራት እናገበረ ዓይነ ልቦናኺ ሸፊንዎ እምበር፡ ብዛዕባኺ ደኣ መኣስ እዚ ጥራይ ኮይኑ ተዘሪቡ፡ የግዳስ ከምቲ “ንጠቢብሲ ሓንቲ ቓል እያ ትኣኽሎ” ዝተበህለ እዚ ፈሊጥክዮ ዘለኺ ኣብ ተግባር እንተውዒልክዮ እኹል ስለ ዝኾነ በዛ ናይ መወዳእታ ምሳሌ ገይረ ጽሑፈይ ክዛዝም እየ።

 እዛ ናይ መወዳእታ ምሳሌ ጐይታ ብዛዕባ እታ ዓሠርተ ድሪም ነይርዋ ሓንቲ ድሪም ዝጠፍኣታ ሰበይቲ ኢና ኽንርኢ። ድሪም ማለት ሳንቲም ወይ ገንዘብ ማለት እዩ። እዛ ድሪም እዚኣ ድማ ናይ ክርስቲያን ሰብነት ምሳሌ እያ። ምኽንያቱ ከምቲ ኣብ ሳንቲም ምስሊ ናይቲ ንጉሥ ዝረአ፡ ኣባና ኣብዞም ናይ ክርስቶስ ሳንቲም ዝተመሰልና ክርስቲያን ድማ ናይ ንጉሥና ምስሊ ክረአ ይግበኦ። ናይ ክርስቶስ ሥዕሊ ማለት ድማ ትሕትና ፍቕሪ ትዕግሥቲ ርኅራኄ ተኣዛዝነት ዝኣመሰሉ ፍረ መንፈስ ቅዱስ ክህልወና ይግበኦ ማለት እዩ /ገላ 5፡22/። ንሕና ከምዚ እንተ ጌርና ናይ ብሓቂ ንጉሥና ክርስቶስ ኣባና ተሣዒሉ ንኣሕዛብ ስለ ዝረኣዮም ንኣካይዳናን ንሕይወትናን ርእዮም ንኣምላኽና ኬመስግናዎ እዮም። ክርስቶስውን “ነቲ ሠናይ ኣካይዳኹም ርእዮም ነቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ ኣቦኹም ምእንቲ ከኽብርዎ ብርሃንኩም ኣብ ቅድሚ ሰብ ይብራህ” /ማቴ 5፡16/ ብምባል ምሂርና እዩ። 

 ናይዛ ሰበይቲ እታ ሓንቲ ድሪም ኣብ ማእከል ቤታ እያ ጠፊኣ /ሉቃ 15/። እዚ ማለት ድማ ኣብ ቤት እግዚአብሔር ኣለና እናበልና ናይ ዝጠፋእና ክርስቲያን ምሳሌ እያ። መብራህቲ ኣብሪሃ ቤት ኮስቲራ ረኸበታ ይብል።፡እዚ ድማ ኣብ ውሽጢ ገዝኣ ኮይና ግና ኣብ እንዳ ጉሓፍ እያ ተረኺባ /ሉቃ 15፡8/ እዚ ማለት ድማ ኣብ ቤት እግዚአብሔር ኮይና ኣብ ርስሓትን እንዳ ጉሓፍን ዝተመሰለ፡ ነዛ ናይ ክርስቶስ ሳንቲም ዝተመሰለት ነፍስና ብጽልኢ ብቒም ብበቐል ብዓሌትነት ብዓደይ ዓድኻ ብምፍልላይ ብፖለቲካ ብመናፍቕነትን ኣርሲሕናያ ማለት እዩ። ሳንቲም እንተ ረሲሓን እንተ መሪታን ድማ ምስሊ ናይቲ ንጉሥ ክርአ ኣይክእልን። በዚ መጠን ድማ ንንጉሥና ኣባና ከይረኣ ከልኪልናዮ ጥራይ ከይኣክል ብሰንኪ እኩይ ተግባራትና ሰባት ከም ዝጸርፍዎ ንገብር። እቲ “ብሰንክኹም ስመይ ኣብ ማእከል ኣሕዛብ ይጽረፍ ኣሎ” ሮሜ 2፡24 ዝብል ቃል ድማ ብኣና ይፍጸም።

  ስለዚ ነፍሰይ ካብ እንዳ ጉሓፍ እትወፅእሉ መገዲ ጽን ኢልኪ ስምዕኒ፡ እታ ሰበይቲ መብራህቲ ወሊዓ ምስ ደለየታ እያ ክትረኽባ ዝኸኣለት። መብራህቲ ዝተባህለ ድማ ከምቲ ቅዱስ ዳዊት “ቃልካ ንእግረይ መብራህቲ ንመገደይ ብርሃን እዩ” መዝ 119፡105 ዝበሎ መብራህቲ ቃል እግዚኣብሔር እዩ። ስለዚ ካብ ሕጂ ንኔው ብምሉእ ኃይለይ ኣብቲ ብትምህርቲ ሰንበትን ካልእ መንፈሳዊ ጉባኤታት ዝወሃብ ትምህርተ ሃይማኖትን ሥርዓተ ቤተ ክርስቲያንን ክሳተፍ፡  ከምኡውን ብቅዱሳን ኣበው ዝተጻሕፉ ናይ ቤተ ክርስቲያን መንፈሳውያን መጻሕፍቲ ኬንብብን ሕይወተይ ብመንፈሳዊ ቅኔን ጸሎትን ዝተሓነጸት ክትከውን መንፈሳዊ ልምምድ ክጅምር ወሲነ እየ እሞ ኣምላኽ ይሓግዘኒ። እወ ከምዚ ገይረ ነቲ ዓስቢ ዘይብሉ ብሥጋዊ ፍልጠትን ተመኩሮን ጥራይ ተመሪሐ ዝደኽሞ ዝነበርኩ ከንቱ ድኻምን ነታ “ንእዚአብሔር ዘይ ፈልጡ ናይ እግዚአብሔር ኣገልገልቲ” እትብል መጸውዕን ፈጺመ ክድምስሶም ኣብ ክንድኡ “ገብርኄር” ማለት ሕያዋይ ኣገልጋሊ ብዝብል ስም ክትክኦም ወሲነ እየሞ ወላዲተ ኣምላኽ ብጸሎትኪ ደግፍኒ። 

 ኣብ መወዳእታ እምበኣር ነፍሰይ ንኣይ ጥራይ ይጥዓመኒ ምባል ገዲፍኪ መማቐሊት ኩኒ እሞ እዚ መልእኽቲ እዚ ንኣኺ ጥራይ ዘይኮነ ንዅለን ከማኺ ዝኣመሰላ ነፍሳትውን ለግስለን፡ ንኺድ ንቕደሚት ንሰጉም ንመሃር ነንብብ እሞ ንዓምብብ: ተነሲሕና ውሽጣዊ ሰላም ክንውንን ሽዑ ብስምዒት ብዘይ ርድኢትን ምዝራብ ገዲፍና ትሑታት ህዱኣት ብፍልጠትን መንፈሳዊ መለክዕን እንዛረብን ንሕዝብናን ንቤተ ክርስቲያንናን ንኣምላኽናን ዘሐጕስን ዝጠቅምን ብዓቢይኡ ድማ ኣገልግሎትና ንነፍስና ሰማያዊ ዋጋ እንረኽበሉ ኣገልግሎት ክኸውን እዩ።

No comments:

Post a Comment