bieteelyas.blogspot.com ቤተ ኤልያስ

Thursday 11 May 2017

ትርጕም ናይ ጥንተ ኣብሶ 3ይ ክፋል


1.2.6 ኣብ መቅድመ ትርጓሜ ወንጌል ገጽ 15 ብዛዕባ ባህርይን ኣፈጣጥራን ነፍሲ “ዛቲ ይእቲ ኣርኣያ ገጹ ለእግዚአብሔር ወአምሳሊሁ፡ እዚኣ ናይ እግዚአብሔር ኣርኣያኡን ኣምሳሉን እያ። ግብር እምግብር ዘይተፈጠረት እያ። ሃላዊት ነባሪት እያ። ዝገዝኣን ዝእዝዛን ከይሃለወ ዝደለየቶ ከም ዝደለይቶ ኪትገብር ኣእምሮ ጠባይዕ ከለዋ ጽቡቕነታን ክፍኣታን ብፍቓዱ ንኽኸውን”  ዝብል ቃል ኣሎ። ነዚ ንባብ እዚ ኣለቃ ኪዳነ ወልድ ክፍሌ “ነፍሲ ፍጽምቲ ኮይና ካብ ኡፍታ (ንፍሓት) ናይ ፈጣሪኣ ስለ ዝተረኽበት በብጊዜኡ ምዕባይ ኣየድልያን እዩ” ንምባል ጠቒሶምዎ ኣለዉ። ይኹን ደኣ እምበር ካብቶም ናይ ነፍሳት ባህርያት ተባሂሎም ዝተጠቐሱ ነባቢነት (ቃል) ለባዊነት (ልቢ) ከምኡውን ሕያውነት (ነባቢነትን ለባዊነትን) ምስ ናይ ሥጋና ዕብየት ኃቢሮም ኪዓብዩን ኪምዕብሉን ስለ ንርእዮም ካብ ናይ ኣለቃ ኪዳነ ወልድ ትምህርቲ ንላዕሊ “ሥጋኡ ተቐሪጹ ኣካል ፈልዩ ሰብ ምስ ኮነ ነፍሱ ድማ ኃቢራ ትዓቢ ማለት ፍልጠቱ ይውስኽ ኣእምሮኡ ውን ይሰፍሕ” ዝብል ናይ ኣባ መልከ ጼዴቅ ዚኃሸ ኮይኑ ይስምዓኒ።

 ናይ ኣቡነ ጎርጎርዮስ መርገጺ ውን “ነፍሲ ወከፍ ሰብ ካብ ዝውለደሉ ጊዜ እናዓበየ ብዝኸደሉ መጠን ነፍሲ ድማ ሓቢራ ትዓቢ” ዝብል እዩ።(ኣባ ጎርጎርዮስ የቤተ ክርስቲያን ታሪክ በዓለም መድረክ ገጽ 54)። ከም’ዚ ስለ ዝኾነ ድማ መቅድም ትርጓሜ ወንጌል ብዛዕባ እቲ ናይ መጀመርታ ሰብ ብዛዕባ ኣፈጣጥራ ነፍሲ ናይ ኣዳም ደኣ ተዘርበ እምበር፡ ከምቲ ኣለቃ ዝበልዎ ብዛዕባ ኣፈጣጥራ ናይ ነፍሲ ወከፍ ነፍሲ ዝዛረብ ኣይኮነን። ነፍሲ ናይ እግዚአብሔር ኡፍታ እያ ንዝብል ውን ኣቡነ መልከጼዴቅ “እግዚእበሔር ጥበበኛ ፈጣሪ ከም ምዃኑ ንነፍሲ ፈጢሩ ኣብ ሥጋ ሰብ ኣኅደራ እምበር ምስ ኣምላኽነቱ ዋላ ሓንቲ ርክብ (ናይ እግዚእበሔር ኣካልነት) ዘይብላ ፍጥረት እያ” ብምባል ነፍሲ ናይ መለኮት ኣካል ጌርና ከይንወስዳ የጠንቅቑና።( ኣባ መልከ ጼዴቅ ገጽ 140)

1.2.7 ኣቡነ ጎርጎርዮስ “ናይ ሰብ ነፍሲ ከም ናይ ሓዊ ክፋል ካብ ናይ መለኮት ባህርይ እናተኸፈለት እያ ትመጽእ” ዝብል ኣዘራርባ ግኖስቲካዊ መናፍቕነት ከም ዝኾነ ይኅብሩና።(ኣባ ጎርጎርዮስ ገጽ 57)

 ሓደ ናይ ሓድሽ ኪዳን ሊቅ ብዛዕባዚ ሓቲተዮ ኣብ ቅዳሴ 3ቱ ምእት ቁ 62 “ወእምአሀቲ መዝገብ ዘእምስትንፋሰ ኣፉሁ ይሰርጻ ወያሕመለምላ ነፍሳት እለ ይትወለዳ ውስተ ዓለም” ኣብ ዓለም ዝውለዳ ነፍሳት ካብታ ካብ እስትንፋስ ኣፉ ዝተረኽበት ካብ ሓንቲ መዝገብ ይወፅኣ ይልምልማ” ዝብል ቃል ብምጥቃስ “ነፍሲ ናይ ፈጣሪ እስትንፋስ ክፋል እያ” ኢሎምኒ ኔሮም። ናይቲ ቅዳሴ ኣንድምታ ትርጓሜ ግና ነዚ ንባብ እዚ “ካብ ሓደ ካብ ኣዳም ‘ብዝኁ ተባዝኁ’ ብዝበሎ መሠረት ብናይ ባህርይኡ ሥልጣን ናብዚ ዓለም ዝፍጠራ ነፍሳት ይኽፈላ” ብምባል ነፍሳት ኣብ ናይ ወዲ ሰብ ናይ ምውላድ መሥርሕ ብተኸፍሎ ከም ዝባዝኃ ብምርግጋጽ ነዚ ናይዚ ሊቅ ኣበሃህላ ውዱቕ ብምግባር ኣቃኒዑ ተርጕምዎ ኣሎ።(መጽሓፈ ቅዳሴ ንባቡና ትርጓሜው ገጽ 292) ንዅሉ ዝጥነስ ጥንሲ ካብ ኣቦን ኣደን ትኽፈል (ግብር እምግብር) ዝኾነ ነፍሲ እምበር “እምሃበ ኣልቦ” ሓዳስ ነፍሲ ኣይትፍጠርን እያ። ሕያዊት ነፍሲ ከም ናይ ጥዋፍ ብርሃን ብናይ ወድን ጓልን ተራኽቦ እናተወልዐት ካብ ወላዲ ከይጐደለት ናብ ውሉድ ብተኸፍሎ ትኃልፍን ትባዛኅን።

1.2.8 ናብ ኣለቃ ኪዳነ ወልድ ምስ ንምለስ ንሳቶም ብዛዕባ ነፍሲ ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዝሰፈረ ሓተታ ዘቕርቡ “ነፍሲ ካብ ወላዲ ናብ ውላድ ስለ ዘይትመኃላለፍ እመቤትናን ጐይታናን ጥራይ ዘይኮኑስ፡ ኵሎም እቶም ከምቲ ኣዳም ዝበደሎ፡ ኣብ ልዕሊ ፈጣሪኦም በደል ዘይሠርሑ ኣዳማዊ መርገም (ጥንተ ኣብሶ) ኣይምልከቶምን እዩ” ንምባል እዮም። ንግዚኡ ብዛዕባ ኣፈጣጥራ ናይ ነፍሲ ብሊቃውንት ዝቐረበ ኣመለኻኽታ ዝተፈላለዩ ኣመለኻኽታ ድኅሪ ምግላጽና፡ ነቲ ቀንዲ ኣብ ተንቢተ ሕዝቅያስ ምዕራፍ 18፡4ን ቁ 20ን ዘሎ ናይ ኣለቃ ኣበሃህላ ውርድ ኢልና ክንምልከት ኢና። ሓደ መርገጺ ጥራይ ንኃዝ። ብናይ ኣለቃ ኪዳነ ወልድ “ነፍሲ ካብ ኣቦን ኣደን ከይተኸፍለት እምሃበ ኣልቦ እያ ትፍጠር” ብዝብል መርገጺ እንተተጓዒዝና፡ ጥንተ ኣብሶ ዝበሃል ነገር ኣይህሉን እዩ። ምኽንያቱ ነፍሲ ካብ ወላዲ ስለ ዘይትኽፈል ናይ ኣዳም መርገም ናብ ደቁ ብነፍሲ ናይ ምኽፋል መሥርሕ ብዘርኢ ኣይውረስን። ኣይመኃላለፍን? ስለዚ ብናይ ኣለቃ ኪዳነ ወልድ ሓሳብ እንተተጓዒዝና ኣርእስትና ኣብዚ ከብቅዕ እዩ። ከም ናይ ኣባ መልከጼዴቅ “ነፍሲ ካብ ኣቦ ብዘርኢ እያ ትኽፈል” ምስ ንብል ጥራይ ኢና ብዛዕባ ጥንተ ኣብሶ ኪንዘራረብ ንልኽእል። ብወገነይ ናይ ኣባ መልከጼዴቅ ናይ ኣበሃህላ ትንታኔ ስለ ዝተቐበልኩ ናብ ዝቕጽል ኣርእስቲ ኪሰጋገር እየ።

1.2.9 ጥንተ ነፍሲ ቅድሚ ምድምዳመይ፡ ብዛዕባ ኣረኻኽባ ነፍሲ ቁሩብ ኪዛረብ። ነፍሲ ኣብ ውሽጢ ናይ ወዲ ሰብ ሕዋሳት ኣበይ ቦታ ከም ትርከብ ዝተፈላለዩ ኣመለኻኽታታት ኣለዉ። ኣብ ናይ ሕጊ ትምህርቲ ኪንመሃር ከለና ሓደ ሰብ ብሓደ ጊዜ ብዝተተኮሳ ክልተ ጠያይት ልቡን ርእሱን እንተ ተሃሪሙ፡ ኣቐዲማ ዝቐተለቶ ጥይት ኣየነይቲ እያ? እቲ ቀታሊ ኸ ልቡ ዝሃረሞ ድዩ ዋላስ ርእሱ? ዝብል ክርክር ከም ዝነበረ እዝከረኒ። ኣቐዲሙ ዝቐተሎ እቲ ልቡ ዝሃረሞ እዩ እንተበልና፡ ነፍሲ ኣብ ልቢ እያ ዘላ ማለት እዩ። ርእሱ ዝሃረመ እዩ እንተበልና ድማ ናይ ነፍሲ መንበሪ ርእሲ እዩ ኪንብል ኢና ማለት እዩ። እቶም ዝተኮሱ ክልቲኦም ካብ ተሓታትነት ከም ዘየምልጡ እኳ እንተ ተሰማማዕና፡ ቀታሊት ጥይት ከይፈለና (ከይፈለጥና) ነቲ ክርክር ኣብ ጠልጠል ገዲፍናዮ ከም ዝተፈላለና እዝከረኒ።

 ናብ መጻሕፍትና ምስ ንምለስ ኣብ ዘሌ 17፡14 “ነፍሲ ዂሉ ሥጋስ፡ ንሱ እቲ ኣብ ነፍሱ ዘሎ ደሙ እዩ እሞ፡ ስለዚ ንደቂ እስራኤል ከኣ፡ ናይ ዝዀነ ሥጋ ደም ኣይትብልዑ፡ በልክዎም። ናይ ኲሉ ሥጋ ነፍሲ ደሙ እዩ እሞ፡ ዝበልዖ ዘበለ ኺምንቈስ እዩ” ብምባል ሕይወትን ደምን የተሓሕዞም። ከምኡ ውን ኦሪት ዘፍጥረት ምዕራፍ 9” ኣቦታት ነዚ ንባብ እዚ ከብርህዎ ከለዉ፡ “እስመ ደመ ነፍስትኩሙ ውእቱ” “ደመ ነፍስኹም እዩ’ሞ ዝበልዕዎን ዝሰተይዎን ደም ይኸውን ኣብኡ ድማ ነፍሲ ስለ ትኃድር ነፍስክሙ በለ “እስመ ነፍስ ተኀድር በደም” ከም ዝብል ዘሌ 17፡14 (መጻሕፍተ ብሉያት 2ቱ ገጽ 69)

 ቅዱስ ኣትናቴዎስ ድማ ንነፍሲ ምስ ልቢ የተሓሕዛ “ወልቡ ለብእሲ መንፈሱ ውእቱ፡ ወውእቱ አ፩ዱ ምስለ ነፍሱ እንተ ሃለወት በሥጋሁ” ናይ ሰብ ልቡ ሕይወቱ እዩ። እዚ ውን ምስቲ ሥጋኡ ዝተዋሓሓደቶ ምስ ነፍሱ ሓደ እዩ።(ሃይማኖተ ኣበው ዘአትናቴዎስ ምዕ 23፡26 ገጽ 76)። ስለዚ ነፍሲ ኣብ ደም ትኃድር ነፍሲ ኣብ ጊዜ ተራኽቦ ካብ ወላዲ ናብ ናይ ውላድ ነፍስን ሥጋን ተኸፊላ ጥንሲ ኪፍጠር ከሎ ኣዳማዊ መርገማ ኂዛ ንሓድሽ ጥንሲ ተርክሶ ዝብል እዩ ናይ ጥንቲ ኣብሶ መበገሲ ሓሳብ። እዚ ቀጻሊ ኣርእስትና እዩ።

ትርጕም ናይ ጥንተ ኣብሶ 2ይ ክፋል


1.1.1 ናይ ካልኦት ኣብያተ ክርስቲያን መርገጺ ምስ ንርኢ ድማ፥
 ካቶሊካውያን “every spiritual soul is created immediately by God- it is not “prodused” by the parents (http;//www.vatican.va/archive/ENG0015/_P1B.HTM#-CR) ብምባል ነፍሲ ወከፍ ጥንሲ ሸዑ ሽዑ ሓድሽ ነፍሲ ከም ዝፍጠረላ ይምህሩ።Creationism ዝብል ኣመሃህራ እዩ።

 ናይ ግብጺ ኮፕቲክ ቤተ ክርስቲያን ድማ “the soul comes in to existence as soon as the sperm and the egg unit” “ነፍሲ ናብ ምምባር እትመጽእ (ትፍጠር) ዘርኢ ወዲ ተባዕታይ ምስ እንቋቕሖ ናይ ጓል ኣንስተይቲ ኣብ ዝራኸበሉ ቅጽበት እያ” (htt;//www.suscopts.org/q&a/index.php?qid=1233&catid=348) ከም ዝብሉ ኣንቢብና ኣለና። እዚ ናይ ግብጻውያን ብሂል ምስ ናትና ዝጋጠም ይመስል። 

 ካብ ኣቦታት ተዋሒስና ንክርቢት ምሳሌ ንግበራ። ናይ ወዲ ዘርኢ ናይ ክርቢት ዕንጨት እዩ። እታ ሰበይቲ ድማ ሰፈር ክርቢት ንበላ። እቲ ዕንጨት ነቲ ባኮ ናይ ክርቢት ብጎኒ ምስ ሃረሞ (ምስ ሸርጠጦ) ሓዊ ይፍጠር። ነፍሲ ውን ከምኡ ከም ሓዊ እያ። እቲ ባኮ ናይ ክርቢት በቲ ዕንጭት ምስ ተሸርጠጠ ጥራይ እዩ ሓዊ ክህልው ዝኽእል። ናይ ነፍሲ ህላዌ ድማ ድኅሪ ርክብ ናይ ወድን ጓልን  እዩ። ንሕና ከምዚ ኢና ንኣምን።

ናይ protestant መርገጺ ዝተፈላለየ ብምዃኑን ኣብዚ ጉዳይ ድማ ብዙኅ ኣተኩሮ ናይ ምሃብ ዝምባለ ስለ ዘየለን መርገጺኦም ከምዚ እዩ ንምባል ይኸብድ እዩ። ኣብ ክንድኡስ ዝተፈልየ መርገጺ ናብ ዘለዎም ናይ ቤተ ክርስቲያንና ሊቅ ንኅለፍ።

1.2 ኣለቃ ኪዳነ ወልድ ክፍሌ፥ “ነፍሲ ኣብቲ ካብ ናይ ኣቦን ኣደን ዘርኢ ዝተኸፍለ ዘርኢ እምሃበ ኣልቦ መጺኣ ደኣ ትኃድር እምበር ንሳ ኣይትኽፈልን እያ” ይብሉ።

1.2.1 ኣለቃ ኪዳነ ወልድ ክፍሌ፥ኣብ መጽሓፈ “ሰዋስው ወግስ” ብዛዕባ ናይ ነፍሲ ኣፈጣጥራ ኪገልጹ ኸለዉ “ነፍሲውን ከም ናይ ኣዳም ነፍሲ ካብ ናይ ፈጣሪ ኡፍታ በንጽሐ ጠባይዕ ተረኺባ፡ ካብ ኣቦን ኣደን ኣብ ዘተኸፈለ ዘርእን ደምን ትኃድር እምበር ንሳ ኣይትኽፈልን እያ”  ኪትፍጠር ከላ ከም መላእኽቲ ናጽነትን ፍልጠትን ሥልጣንን ዘለዋ፡ ዝፈተወቶ ኪትገበር ትኽእል ነባቢት ለባዊት ፍጽምቲ ኣካል እያ እምበር ምስ ሥጋ ካብ ኣቦን ኣደን ስለ ዘይተኸፈለት በብንእሽተይ ምዕባይ ኣየድልያን እዩ። እቲ ገዚፍ መሣርሒኣ (ሥጋኣ) ክሳብ ዝዓብን ክሳብ ዝጸንዕን ብገዛእ ርእሳ ኪትሠርሕ ትኽእል እያ። ብርቀታ ትሠርሖ ግና ብዘይካ ፈጣሪኣ ዝፈልጣን ዝፈልጠላን የልቦን” ይብሉ (ኣለቃ ኪዳነ ወልድ ገጽ 26)

1.2.2 ሃለቃ ናይ ቅዱሳት መጻሕፍቲ ጥቕስታት፡ ናይ ወንጌል መቅድም ኣዋልደ መጻሕፍትን ከም መረዳእታ (መወከሲ) ይጠቕሱ። ካብ መጽሓፍ ቅዱስ “እቲ ንሰማያት ዝፈጠሮን ዝገተሮን፡ ንምድርን ንሳ እተብቊሎን ዝዘርግሔ፡ ነቲ ኣብኣ ዘሎ ሕዝቢ ኸኣ ትንፋስ ዝሃበ፡ ነቶም ኣብኣ ዚመላለሱ ድማ መንፈስ ዝሃበ እግዚአብሔር ኣምላኽ ከምዚ ይብል(ኢሳ 42፡5)” ካብ ዝብል ንባብ “ነቶም ኣብኣ ዚመላለሱ ድማ መንፈስ ዝህብ፡ ወነፍሰ ለእለ ይነብሩ ዲቤሃ” ንዝብል ንባብ ነፍሲ ብቐጥታ ካብ ፈጣሪ ትወሃብ እምበር ካብ ኣቦን ኣደን ዘይትኽፈል” ከም ዝኾነት ንመረጋገጺ ይጥቀምሉ። ብተመሳሳሊ ኣብ (ኤር 1፡5 ዘካ 12፡1ን መዝ 22፡10) ነፍሲ ርእሳ ክኢላ ብዛዕባ ምዝራብ፡ ምምላኽን ምፍላጥን ንኣበሃህላኦም ከም መረድኢ ይጥቀምሎም። እንተኾነ ግና ናይቶም ጥቕስታት ኣንድምታ ናይ ትርጓሜ መጻሕፍትና ምንባባት ናይ ፈጣሪ ኣቐዲሙ ምፍላጥ ናይ ሰብ ኣእምሮ (ምግናዛብ) ንምግላጽ ናይ ነፍስን ሥጋን ውሕደትን ናይ ጐይታ ካብ ማኅፀን ጀሚሩ ዝሕልወና ምዃኑ ንምርኣይ ከም ዝተጻሕፉ ጌሮም እዮም ዝትርጉምዎም።

ንኣብነት “ነቶም ኣብኣ ዚመላለሱ ድማ መንፈስ ዝህብ፡ ወነፍሰ ለእለ ይነብሩ ዲቤሃ” ዝብል ናይ ኢሳይያስ ንባብ ኪትርጎም ከሎ “ኣብኣ ንዚነብሩ ሰባት ነባቢት ነፍሲ ዘዋሓሕድ” ተባሂሉ እዩ ተተርጕሙ ዘሎ (መጽሓፈ ኢሳይያስ ንባቡና ትርጓሜው ገጽ 279) “ነፍሲ ዝህብ” ዝብል ምሥጢራዊ ትርጉሙ ነፍሲ ዘዋሓሕድ ተባሂሉ ተቓኒዑ ተተርጕሙ ኣሎ።

1.2.3 ኣብ ዘካ 12፡1 “ናይ ሰብ መንፈስ ዝሠርሐ፡ ወይፈጥር ነፍስ ላዕለ ሰብእ” ዝብል ንባብ ድማ ኣንድምታኡ “ኣእምሮ (ፍልጠት) ኣብ ሰባት ዘኅድር” ተባሂሉ እዩ ተተርጕሙ ዘሎ።(ዳንኤልና 12ቱ ደቂቀ ነያት ንባቡና ትርጓሜው ገጽ 399) ከምኡ ውን መዝ 22፡10።

 “ካብ ማኅፀን ወላዲት ኣባኻ ወደቕኩ” ዝብል ቃል “ብናትካ ፍቓድ ሰብ ኮንኩ፡ ተገደፍኩ/ወደቕኩ ማለቱ ካብ ኣቦ ዘርኢ ካብ ኣደ ደም ስለ ዝኽፈል እዩ” ካብ ምባል ኃሊፉ ዝኾነ ሰብ ክፍጠር ከሎ ነፍሱ ቅድሚ ሥጋ ከም ዝነበረት፡ ወይ ልክዕ ከምታ ናይ መጀመርታ ናይ ኣዳም ነፍሲ ሽዑ ንሽዑ ኡፍ ብምባል ከም ዝተፈጠረት ኣይገለጽን እዩ።(መዝሙረ ዳዊት ንባቡና ትርጓሜው ገጽ 136) 

ብሓፈሻ እዞም ጥቕስታት ከም’ዚ ሃለቃ ዝብልዎ ነፍሲ ካብ ወላዲ ከም ዘይክፈል ኣይነግሩናን እዮም። ናይ ነፍሲ ባህርይ መግለጺታትን ናይ ፈጣሪ ኣምላኻዊ ሓለዋን ጥራይ እዮም ዘርእዩና። በዚ ኣጋጣሚ “ነፍስን” “መንፈስን” ዝብሉ ቃላት ብኣዘራርባ ዝተፈላለዩ መሲሎም እኳ እንተቐረቡ፡ ትርጉሞም ግና ሓደ ከም ዝኾነ ኪንርዳእ ይግብኣና። ግብጻውያን ግና ነፍስን መንፈስን በበይኖም ከም ዝኾኑ ይዛረቡ።(htt;//www.suscopts.org/q&a/index.php?qid=578&catid=348);; ናትና ሊቃውንት ግና ብኣንጻሩ ንሓድነቶም የስምርሉ።(ኣባ መልከጼዴቅ ገጽ 137 የመጽሓፍ ቅዱስ መዝገበ ቃላት ገጽ 137)

1.2.4 ካብ መጽሓፈ ቅዳሴ ኣለቃ ኪዳነ ወልድ “ኣንታ ንኅፃን ካብ ሕቖ ኣቦኡ ኣውፂእካ ናብ ናይ ሰበይቲ ማኅፀን እትልእኮ! ብረቂቕ ሰፋድድ ትጥቕልሎ ማይ ምስ ኮነ በጽቢጽካ ተርግኦ። ናይ ሕይወት መንፈስ ድማ ኡፍ ትብለሉ። ንዝኾነ ይኹን ኣብ ኣርብዓ መዓልቲ ትሸሞ፡ ንሃብቲ ይኹን ንድኽነት ንምጽዳቕ ይኹን ንምኹናን” ዝብል ናይ ቅዱስ ኣትናቴዎስ ቁ 113 ቅዳሴ ጠቒሶም “ነፍሲ ካብ ኣቦን ኣደን ኣብ ዝተኸፍለ ዘርኢ ደኣ ትኃድር እምበር ንሳ ኣይትኽፈልን እያ” ዝብል ጽኑዕ መርገጺኦም የትርርዎ (ኣለቃ ኪዳነ ወልድ ክፍሌ ገጽ 25)። እንተኾነ ግና ነዚ ንባብ እዚ ኣበው ኪትርጉምዎ ኸለዉ ንኣፈጣጥራ ነፍሲ ዘይኮነስ “ክሳዕ 40 መዓልቲ እቲ ጥንሲ ማይ ኮይኑ ይጸንሕ። ኣይፍለጥን እዩ። ኣብ 40 መዓልቲ ከም ጭራ ኾይኑ ይርአ። ጽዒሩ ዝኸብረሉ፡ እንተ ተሃከየ (እንተ ተዓበየ) ድማ ዝሽገረሉ፡ ጽቡቕ እንተሠሪሑ ዝጸድቀሉ፡ ክፉእ እንተሠሪሑ ድማ ዝኹነነሉ ህዋሳት ኣብ 40 መዓልቲ ስለ ዝፍጸም ከምዚ በለ” ብምባል እቲ ንባባ ተስዕሎተ መልክዕ ዝረኽበሉን ሕዋሳት ዝመልእሉ መዓልትን ኵነታትን ንምምንጋር ዘተኮረ ከም ዝኾነ ይገልጹ።(መጽሓፈ ቅዳሴ ንባቡና ትርጓሜው ገጽ 327) ነዚ ዝመሳሰል ሓሳብ ኣብ ትርጓሜ ኦሪት ዘጸኣት ምዕራፍ 21፡22 ብዛዕባ ተሥዕሎተ መልክዕ ቀሪቡ ኣሎ።(መጻሕፍተ ብሉያት ክልኤቱ ገጽ 131)

1.2.5 ተዛማዲ ጽሑፍ ዘቕረበ ሓውና፡ “እዚ ንባብ ከም ዘለዎ ብደረቑ እንተተወሲዱ፡ኣብ ልዕሊ ናይ ነፍሲ ኣፈጣጥራ ናይ ሰብ ናይ ጽድቅን ኩነኔን ዕጫ ውን ኣቐዲሙ ብናይ 40 መዓልቲ ዕድል ዝተወሰነ (predestined ዝኾነ) ስለ ዘምስሎ” ብምባል እቲ ንባብ ነቲ ትርጓሜ ኪኽተል ከም ዘለዎ ኣመልኪቱ ኣሎ። (ዲያቆን ብርሃኑ ኣድማስ ጥር 2001 ሐመር መጽሔት ገጽ 27-28)። ብተወሳኺ ናይቲ ጥንሲ ህዋሳት ረጊኦም ቅርጺ ዝሕዝሉ ድኅሪ 40 መዓልቲ ወይ ካብ 6ይ ሰሙን ጀሚሮም ከም ዝኾኑ ብሳይንስ ውን ዝእመነሉ ምዃኑ ዲያቆን ብርሃኑ ኪገልጹ ከለዉ፡ ብናይ ኣይሁድ እምነት ድማ መበል 40 መዓልቲ ነፍሲ ምስ ጥንሲ ትዋሓሓደሉ ጊዜ ተባሂሉ ከም ዝቑጸር፡ ምስ ጥንሲ ምቁራጽ ናይ ሃይማኖታት ትምህርቲ ዝዳህሰሱ ናይ ሕጊ ምሁር ጸሃየ ወዳ ጽሒፎም ኣለዉ።(tsehai wada,2008,Mizan Law Review,P.8) 

ኣባና ግና ከምዚ ኣይኮነን። 40 መዓልቲ ኣዳም ነፍሲ ከም ዝረኸበ ዘይኮነስ ናብ ገነት ዝኣተወሉ እዩ ዝንገር። እዚ ድማ ጸጋ መንፈስ ቅዱስ ከም ዝረኸበ መርኣያ እዩ።(ኩፋሌ 4፡9) ነፍሱ ግና ገና ኪፍጠር ከሎ ምስ ሥጋኡ ተዋሓሒዳ እያ ተፈጢራ።

Tuesday 9 May 2017

ትርጕም ናይ ጥንተ ኣብሶ 1ይ ክፋል

1.  ጥንተ መርገም ንምርዳእ ጥንተ ነፍሲ (ናይ ነፍሲ ባሕርይ) ምፍላጥ!
ሰብ ማለት “ተሰብአ” (ብ ጠቢቑ ይነበብ) ሾብዓተ ኮነ ካብ ዝብል ናይ ግሲ ዝወፀ ስም እዩ። ምሥጢራዊ ትርጉሙ “ሾብዓተ ባህርያት ዝኃዘ” ማለት እዩ ብምባል ሊቃውንት ይትርጉምዎ።(ኣክሲማሮስ ዘዓርብ ገጽ 151) ሾብዓተ ባህርያት ዝተባህሉ ድማ፥ ናይ ሥጋ ኣርባዕተ ባህርያት ማለት፥ማይ መሬት ንፋስ ሓዊ ከምኡ ድማ ናይ ነፍሲ ሠለስተ ባህርያት ማለት፥ ነባቢት (ትዛረብ) ሕያዊት (ዘለዓለማዊት) ለባዊት (ትሓስብ) እዮም። ሰብ ካብ ካልእኦት ግዑዛንን ደመ ነፍሳውያን ፍጥረታት ዝፍለ ድማ በዞም ናይ ነፍሲ ባህርያት እዩ። ብዘይካ ሰብ ቋንቋ ዘለዎ፡ ብዕምቆት ዝሓስብ ሕያው ፍጥረት ኣብ ልዕሊ መሬት የልቦን። ናይ ኃጢኣትን ጽድቅን ምኽንያታት ድማ ካብ ምሕሳብን ካብ ምዝራብን፡ ዝሓስብካዮ ካብ ምትግባር ወይ ዘይምትግባር እዮም ዝምንጭዉ። ንሰብ እዚ ዅሉ እዚ ዝኾነሉ ብሥጋዊ ባህርይ ዘይኮነ ብረቂቕ ነፍሲ እዩ። ሥጋ ግና ናይ ነፍሲ መሣርሒ ኮይኑ ምግልጋል ጥራይ እዩ። ሥጋ ሓሳብ ዘመንጩ ዘይኮነስ ፈጻሚ ሓሳብ እዩ።

 እዚ ካብ ኮነ ናይ ነፍሲ ኣፈጣጥራ ከመይ እዩ? ነፍስን ሥጋን ተዋሓሒዶም “ንሰብ” ሰብ ዘብልዎ ኸ መኣስ እዩ? ዝብሉ ሕቶታት ምርኣይ ግድን ይኸውን። ናይ ወሊድ መቆጻጸሪ መንገድታትን ጥንሲ ምቁራጽን ብሃይማኖታዊ መገዲ ንምውሳን ውን ናይ ነፍሲ ኣፈጣጥራ ምፍላጥ ቀንዲ ኣገዳሲ ነገር እዩ። ብዛዕባ ብዘይ ሥጋዊ ርክብ ዘርኢ ምፍሳስ ዝምልከት ዝለዓሉ ሕቶታት መልሲ ንምሃብ ውን ናይ ነፍሲ ኣፈጣጥራ ምፍላጥ ኣገዳሲ እዩ። ይኹን እምበር ናተይ ኣተኩሮ “ኣብ ጥንተ ኣብሶ” ጥራይ ዘተኮረ ስለ ዝኾነ፡ ዕላማይ ናይ ነፍሲ ኣፈጣጥራ ውን ምስዚ ኣርእስቲ ብዝተኣሳሰር ጥራይ  ንምርኣይ እዩ።

1.1 ኣባ መልከጼዴቅ፥ “ከም ሥጋና ነፍስና ውን ካብ ናይ ኣቦን ኣደን ዘርኢ እያ ትርከብ”

1.1.1   ኣባ መልከጼዴቅ፥ካብ ዝጸሓፍዎም መጻሕፍቲ ሓደ ብ1994 ዓ/ም ኣሜሪካ ድኅሪ ምኻዶም ዝጸሓፍዎ “የኢትዮጵያ ኦርቶዶክስ ቤተ ክርስቲያን እምነትና ትምህርት” ዝብል መጽሓፍ ይጥቀስ። ኣብ’ዚ መጽሓፍ’ዚ ካብ ገጽ 131-141 ብዛዕባ ኣፈጣጥራ ወዲ ሰብ ብሓፈሻ፡ ብፍላይ ድማ ብዛዓባ ኣፈጣጥራ ነፍሲ ስፍሕ ዝበለን ዝዓሞቐን ትንታነ የቕርቡ። ከም ናቶም ኣበሃህላ ብዛዕባ ኣፈጣጥራ ናይ ነፍሲ 3 ዓይነት ኣመለኻኽታ የርእዩ።

1ይ. “ነፍሲ ኣቐዲማ ዝነበረት እያ፡ መዝገበ ነፍሳት (ናይ ነፍሳት ግምጃ ቤት፥ware house of souls)  ኣሎ፡ ኣብኡ ትነብር። ሓደ ሰብ ኪውለድ ከሎ ግና ሓንቲ ነፍሲ ትወሃቦ” ዝብል እዩ ።

2ይ. “ነፍሲ በብጊዜኡ ትፍጠር፥ ሓደ ሰብ ኪውለድ ከሎ ሓዳስ ነፍሲ ትፍጠረሉ” ዝብል እዩ።

3ይ. ንሳቶም ኦርቶዶክሳዊ ኢሎም ንኽንክተሎ ዝመኽሩና ድማ “ነፍሲ ሓደ ጊዜ ዝተፈጥረት ኣብ ሥጋ ድማ ዝኃደረት እያ። ነፍሲ ሓደ ጊዜ እያ ተፈጢራ ብድኅሪኡ ግና ትራባሕ ትባዛኅ ደኣ እምበር፡ ኣቐዲማ ተፈጢራ ዝጸንሐት ድኃር ኣብ ሥጋ ትኃድር ኣይኮነትን። ምስ ሥጋ ከም ሥጋ ትራባሕ።ከም ሥጋና ነፍስና ውን ካብ ዘርኢ ናይ ኣቦን ኣደን ትርከብ” ዝብል እዩ።(ኣባ መልከጼዴቅ ገጽ 135)

1.1.2   ናይ ነፍሲ ናይ ዕቤትን ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ ምምኅልላፍን ኩነታት ብኣብነት ከብርሁ ከለዉ ድማ “ገረብ ፍሬኡ ወሲዶም ምስ ዝተኽልዎ ልክዕ ከምቲ ናይ መጀመርታ ገረብ መሲሉ ከም ዝርከብ፡ ነፍስን ሥጋን ድማ ብሓደ ጊዜ ካብ ኣቦን ካብ ኣደን ብዝኸደ ዘርኢ ኃቢሮም ይኸዱ። ብድኅርዚ ነቲ ናይ መጀመርታ ሰብ (ንኣዳም) መሲሉ ሥጋ ቅርጹ ኂዙ ኣካል ፈልዩ ሰብ ኮይኑ ምስ ተረኽበ፡ ነፍሱ ውን ኃቢራ ትዓቢ ማለት፥ ፍልጠቱ ይኽዕብት ኣእምሮኡ ይሰፍሕ። በዚ ድማ እዩ “ጥንታዊ በደል ካብ ኣቦኡን ኣዲኡን ብዘርኢ ይወርስ” ዝበሃል ። ናይ ኃጢኣት (ቁራኝነት) ምስ ነፍሱ ኃቢሩ ስለ ዝወርድ” ይብሉና።(ዝኒ ከማሁ ገጽ 135)

ኣባ መልከጼዴቅ፥”ነፍሲ ኣቐዲማ ኣብ መዝገበ ነፍሳት ነበረት” ዝብል ኣመለኻኽታ ኵሉ ፍጡር ኣብ ትሕቲ ጽላሎት ዘመን ጊዜ ተሰፊሩ ተቖጺርሉን ስለ ዝተፈጥረ፡ “ኣቐዲሙ ተፈጥረ” ዝበሃል ፍጥረት የልቦን ብምባል ይምጉቱ። ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ዚጥነሰሉ (ዚውለደሉ) ጊዜ ሓድሽ ነፍሲ ይፍጠረሉ” ዝብል ኣመለኻኽታ ድማ “እግዚአብሔር ኵሉ ጊዜ ዝፈጥርን ፍጥረት ኣብ 6 መዓልቲ ተቓሊሉ ከም ዘይተወድአን ዘምስል እዩ” ብምባል ይነቕፍዎ።፥ “ወፈጸመ እግዚአብሔር ግብሮ ዘገብረ” ትብል ኣብ ዘፍጥረት 2፡2 ዘላ ጥቕሲ ድማ ይጠቕሱ።

1.1.3   ምስ ናይ ኣባ መልከጼዴቅ ኣበሃህላ ዝሰማምዑ ናይ መጻሕቲ ትርጓሜ ድማ ንመልከት። ኣብ ኦሪት ዘፍጥረት ምዕራፍ 2:7 “ወነፍሐ በገጹ መንፈሰ ሕይወት፡ ወኮነ ዕጓለ እመ ሕያው በመንፈሰ ሕይወት” ኣብ ኣፍንጭኡ ድማ ትንፋስ ሕይወት ኡፍ በለሉ እሞ እቲ ሰብ ሕያው ነፍሲ ኮነ” ብዝብል ኣዳም ሕይወት (ነፍሲ) ዝረኸበሉ መገዲ ብሊቃውንት ግልጺ ኮይኑ ተተርጕሙ እዩ። ነዚ ቃል እዚ ኣንድምታ ኣስፍሕ ኣቢሉ ብሓተታ ከብርሆ ኸሎ “ነፍሐ ገጹ (ኡፍ ኢሉ ነፍሲ ብንፍሓት/ብኡፍታ ኣኅደረሉ) ማለት ከም’ዚ ሓደ ሰብ ቅድም ቆፎ ሠሪሑ ድኃር እኽሊ ዘቐምጥሉ፡ መጀመርታ ሥጋ ፈጢሩ ድኃር ነፍሲ ኣምጺኡ ኣኅደረሉ ማለት ኣይኮነን። ሥጋ ካብ 4 ባህርያት ነፍሲ ድማ እምሃበ ኣልቦ (ካብ ዘይምምባር/ out of nothing) ኣምጺኡ ኪፈጥር ከወሓሕድ ከሎ ብሓደ ጊዜ እዩ። ናይ ነፍስን ሥጋን ተዋሕዶ በተዐቅቦ (ነናይ ባዕሎም ተፈጥሮኣዊ ባህርይ ከይገደፉ፡ እቲ ሓደ በቲ ሓደ ከይተዋሕጠ ብምሕሓድ) ስለ ዝኾነ፡ ነፍሐ በገጹ (ነፍሲ ብንፍሓት ኣኅደረሉ) በለ እምበር” ይብል። (የመጻሕተ ብሉያት ክልኤቱ ኣንድምታ 1፡22)። እዚ ትርጓሜ ብግሉጽ ከም ዘቐመጦ ሥጋ ካብ 4 ባህርያት ነፍሲ ድማ ካብ 3 ባህርያት መጺኣ ዝተወሓሓዱሉ ቅጽበት ብሓደ ጊዜ እዩ። ብኣዘራርባ ናይ ሥጋን ነፍስን ተፈጥሮ ምቅድዳም ዘለዎ ምምሳሉ፡ ምንጮም (ዝመጽሉ መገዲ) ንምዝራብ ኣብ ዝተገብረ ዝተኸሰተ ደኣ እምበር ናይ ኣዳም ሥጋን ነፍስን ተፈጥሮን ውሕደትን ብሓደ ጊዜ እዩ።(ዝኒ ከማሁ ገጽ 122)

1.1.4   ብዛዕባ ናይ ሔዋን ተፈጥሮ ኪንገር ከሎ ውን ካብ ጐድኒ ኣዳም ተፋጢራ ካብ ምባል ኃሊፉ፡ ንኣኣ ተባሂላ ሓዳሰ ነፍሲ ከም ዝተፈጥረት ወይ ካብ መዝገበ ነፍሳት መጺኣ ኣብቲ ካብ ኣዳም ዝተወሰደ ሥጋ ናይ ዋን ምኅዳራ ኣብ ዘፍ 2፡22 ዘይተጻሕፈልና “ነፍሲ ውን ከም ሥጋ ካብ ዝተረኽበትሉ ኣካል እናተኸፍለት ስለ ትኸይድ፡ ናይ ሔዋን ነፍሲ ድማ ምስቲ ካብ ኣዳም ዝተኸፍለ ሥጋ ኃቢራ ከም ዝተኸፍለት ርዱእ ስለ ዝኾነ እዩ” ብምባል ናይ ኣባ መልከጼዴቅ መከራኸሪ ኣጥቢቕካ ምኃዝ ይከኣል እዩ። ብዘይካ ኣዳም እግዚአብሔር ኡፍ ኢሉ ነፍሲ ኣብ ሥጋኡ ዘወሓሓደሉ ካልእ ሰብ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ስለ ዘየለ፡ ኵለን ነፍሳት ካብ ኣዳም እየን ተኸፊለን እንተበልና ሓቅና ኣለና። ነፍሲ ካብ ሥጋ ከይፈለየን ከየቀዳደመን “ብዝኁ ተባዝኁ” እዩ ዝበለ።

 ኣክሲማሮስ ብዛዕባ ናይ ኣዳም ሥጋን ነፍስን ኣፈጣጥራ ኪዛረብ ከሎ “ኣዳም ኣብ ኣካለ ሥጋኡን ኣካለ ነፍሱን ምቅድዳም ኣለዎ ድዩ? እንተበልና የብሉን። ብኣካለ ሥጋኡን ኣካለ ነፍሱን ምቅድዳም እንተዝህልዎ፡ ንግበር ሥጋ (ሥጋ ንፍጠር) ወንግበር ነፍስ (ነፍሲ ውን ንፍጠር) ምበሉ ነይሮም” ብምባል ናይ ነፍስን ሥጋን ኣፈጣጥራ ብሓንሳብ ኣብ ተመሳሳሊ ቅጽበት ዝተፈጸመ ከም ዝኾነ ይነግረና።(ኣክሲማሮስ ገጽ 150)

ሔዋንውን ከምኡ ካብ ናይ ኣዳም ሥጋን ዓጽምን ነፍስን ተኻፊላ ከም ዝተፈጥረት ይገልጽ።(ዝኒ ከማሁ ገጽ 181)

ኣባ ጊዮርጊስ ዘጋስጫ ኣብ ናይ ጌና ስብከት ምንባብ ቁጽሪ 24 “ንኵሉ ሓድሽ ጥንሲ  ሓዳስ ነፍሲ ትፍጥረሉ” ዝብል ናይ ካቶሊካውያን ኣበሃህላ ኪነቅፍ ከሎ “ብድጋሜ ኣብ ናይ ኣዳም ኣካል ከም ዝኾነ ኣብ ውሽጢ ናይ ሕፃናት ኣካል ካብ እስትንፋስ እግዚአብሔር ኡፍታ ናይ ሕይወት እስትንፋስ ከም ዝግበር ዝዛረቡ ኣለዉ። ንሕና ግና ናይ ሥጋን ነፍስን ምውፃእ ካብ ሕቖ ሰብኣይ ዘርኢ ወፂኡ ኣብ ናይ ሰበይቲ ማኅፀን ይጥነስ፡ ካብኣ ድማ ብትእዛዝ እግዚአብሔር ብዝኾነ  ናይ ወድን ናይ ጓልን ፍቓድ ናይ ጠባይ ምትሕውዋስ ይኸውን። ውዲ ይኹን ወይስ ጓል ድማ ይሰኣል/ናይ ሕዋሳት/ናይ ኣካላት ሰብነት የውፅእንብል ዘፍ 2፡7” ይብል።

1.1.5   ኣባ ጊዮርጊስ ናይ ፋሲካ ናይ ረቡዕ ምንባብ ዳርጋ ምሉእ ብምሉእ ኪበሃላ ይከኣል፡ ብዛዕባ ኣፈጣጥራ ነፍሲ ንምትራኽ እዩ ኣውዒልዎ። እቲ ምንባብ “ንሕጻን ካብ እቦኡን ካብ ኣዲኡን ባሕርይ ዝወሃቦ ናይ ሕይወት እስትንፋስ ዝኽሕዱ፡ ድኅሪ ሥጋዊ ርክብ ኣብ 40 መዓልቲ እግዚአብሔር ኣብ ገጽ እቲ ኅፃን ናይ ሕይወት እስትንፋስ ኡፍ ይብለሉ፡ ብኢድ እግዚአብሔር ድማ ይፍጠር ንዝብሉ ሰባት ተግሳጽ ኪንዛረብ” ብምባል ይጅምር (መጽሓፈ ምሥጢር ገጽ 237)

ብዛዕባ ኣፈጣጥራ ነፍሲ መግለጺኡ ኪቕጽል ከሎ ድማ “ናይ ወዲ ባህርይ (ዘርኢ) ካብኣ (ካብ ናይ ሰበይቲ) ናይ መዋለዲ ዘርኢ ተሓዋዊሱ፡ ኣብ ማኅፀን ናይታ ሰበይቲ ብዝጥነስ ናይ ዘርኢ ንጣብ ይፈስስ። ብፍቓድ እግዚአብሔር ድማ ኅፃን ይኸውን። ከም ናይ ሔዋን ብምሥራሕ ኣይኮነን። ከም ኣዳም ብናይ ሕይወት እስትንፋስ ኡፍ ብምባልውን ኣይኮነን።”(ዝኒ ከማሁ ገጽ 239)

ኣባ ጊዮርጊስ ብዛዕባ ኣፈጣጥራ ሰብ 3 መንገድታት ከም ዘለዉ እዩ ዝነግረና።
ኣዳም ብንፍሓት
ሔዋን ብዘይ ኣደ ብምሥራሕ ኪትከውን ከላ ነፍሳን ዓጽማን ካብ ኣዳም ተኸፊሉ ተዋሂብዋ።
ናይ ቃኤል ሥጋን ነፍስን ድማ ብተኸፍሎ እዩ። ከም ናይ ኣዳም ምፍጣር ከም ናይ ሔዋን ድማ ምሥራሕ የብሉን። ብናይ ኣባ ጊዮርጊስ ቃል “ ናይ ሕይወት እስትንፋስ ምቕባል ኣብ ኣዴና ሔዋን እዩ ተቛሪጹ። ምኽንያቱ ናይ ኣዳም ሓንቲ ጊዜ ናይ ሕይወት እስትንፋስ ምቕባል ንዅሉ ስለ ዝኣኸለ። ንኽትውለድ ኣደ ስለ ዘይብላ ግና ብኢዱ ተሠርሐት። ኣብ ቃኤል ግና ብኢድ ምሥራሕን፡ ናይ ሕይወት እስትንፋስ ካብ እግዚአብሔር ምቕባልን ኣቋሪጹ እዩ። ምኽንያቱ ናይ ኣቡኡን ኣዲኡን ናይ ሕይወት እስትንፋስ ስለ ዝኣኸሎ” ይብለና ኢትዮጰያዊ ናይ ነገረ መለኮት ሊቅ (ዝኒ ከማሁ)። ኣባ ጊዮርጊስ ነዚ መጽሓፍ ቅዱሳዊ ሓቂ ዘይተቐበሉ ሰባት ይዝልፎም እዩ፡ እንተኾነ ግና ኣብ ልዕሊ ስላሴ ክፉእ ነገር ስለ ዘይተዛረቡ ኣይረግሞምን እየ” ይብል (ዝኒ ከማሁ ገጽ 244)።

1.1.6   ኣብ ቤተ ክርስቲያን ዘሎ ትውፊት ናይ ትርጓሜ መጻሕፍን ኣዋልድ መጻሕትን ምስ ነንብብ ድማ፡ ናይ ጐይታና ካብ እመቤትና ሰብ ከም ዝኾነ ዝግለጸሉ ቃል “ካብ ሥጋኣ ሥጋ ካብ ነፍሳ ነፍሲ ወሰደ” ዝብል እዩ። ንመረጋገጺ ካብ ሃይማኖተ ኣበው ቁሩብ ንባባት ኪንጥቅስ ኢና።

ቅዱስ ኣትናቴዎስ “ካብ እመቤትና ካብ ቅድስት ድንግል ማርያም>>>> ካብ ሥጋኣ ሥጋ ካብ ነፍሳ ነፍሲ ወሲዱ ሰብ ከም ዝኾነ ንኣምን” ይብል።(ሃይማኖተ ኣበው ዘአትናቴዎስ ገጽ 76፡79-85)

ቅዱስ ባስልዮስ ዘቂሳርያ ብተመሳሳሊ ብዛዕባ ናይ ጐይታና ሰብ ምዃን ክነግር ከሎ “ካብኣ ሥጋን ነፍስን ወሲዱ ሰብ ከም ዝኾነ ንኣምን” ብምባል ኣብ ውሽጢ ማህጸን ኣካል ናይቲ ጥንሲ ብኣጻብዕቲ መንፈስ ቅዱስ ክቕረጽ (ኪሥራሕ) ከሎ ብተመሳሳሊ  ቅጽበት ነፍሲ ውን ኃቢራ ከም ዝተቐረጸት (ከም ዝተሠርሐት) የረድእ።(ሃይማኖተ ኣበው ገጽ 421)

ቅዱስ ዮሐንስ ኣፈወርቅ ውን “>>>ካብ ድንግል ትዛረብን ፍልጠት ዘለዋን (ትሓስብ) ነፍሲ ዘላቶ ሥጋ ወሰደ” ይብል።(መጽሓፈ ቅዳሴ ዘዮሐንስ ኣፈወርቅ ገጽ 240)

ኣብ ትርጉም ናይ ውዳሴ ማርያም “ተሰብአ ተሰገወ ኮነ ሰብአ፡ ኣማኑኤል ኀደረ ላዕሌነ” ዝብሉ ቃላት ኣብ ዝትርጉምሉ ኣጋጣሚታት፡ ጐይታና ካብ ቅድስት ድንግል ማርያም ሥጋ ጥራይ ዘይኮነ ነፍሲ ውን ከም ዝወሰደ ተተርጉሙ ኣሎ።(ውዳሴ ማርያም ንባቡና ትርጓሜው ገጽ 19፡ 70፡72፡76፡100፡105)
ኣብ ትርጓሜ ወንጌል ውን ተመሳሳሊ እዩ። ንኣብነት ትርጓሜ ወንጌል ዮሐንስ 1፡14 “ወውእቱ ቃል ሥጋ ኮነ ወኀደረ ላዕሌነ” ናይ ዝብል  ንባብ ኣንድምታ ኪንርኢ ንኽእል ኢና።(ወንጌል ቅዱስ ንባቡና ትርጓሜው ገጽ 452)

ከምኡ ውን ኣብ ኣንድምታ ግብረ ሐዋርያት ምዕራፍ 17፡25 “ወውእቱ ይሁብ ለኵሉ ሰብእ ነፍስ ወሕይወተ ኵሎ ገብረ ኁቡረ” ዝብል ቃል “ንዅሉ ሰብ ደመ ነፍስን ነባቢት ነፍስን ዝፈጠረ ሥጋን ነፍስን ኣወሓሒዱ ዝፈጠረ” ብምባል ናይ ነፍስን ሥጋን ኣፈጣጥራ ምቅድዳም ዘይብሉ ብተዋሕዶ (ነፍስን ሥጋን ብሓንሳብ) ዝተፈጸመ ናይ ጐይታ ሥራሕ ምዃኑ ተገሊጹ ኣሎ። ኣብ ኵሉ መጻሕፍቲ ጐይታና ሰብ ኪኸውን ከሎ፡ ነፍስን ሥጋን ካብ ናይ እመቤትና ሰብነት ከም ዝወሰደ ብግልጺ ተቐሚጡ ኣሎ። “ሓድሽ ነፍሲ እምሃበ ኣልቦ ኣምጺኡ ንእኡ ፈጢሩ ወይ ካብ መዝገበ ነፍሳት ብጽሒቱ ዝኾነት ነፍሲ ወሲዱ” ዝብል ኣብ ዋላ ሓደ የልቦን። ነዚ ሓሳብ እዚ ብምጽናዕ መልአከ ብርሃን ኣድማሱ ጀንበሬ ናይ ጐይታ ሥጋን ነፍስን ካብ እመቤትና ምውሳዱ ምስ ናይ ነፍሲ ኣፈጣጥራ ጌሮም ጽቡቕ ጌሮም ኣቕሪቦምዎ ኣለዉ።(መድሎተ ኣሚን ገጽ 226-229)

1.1.7   ብኣጠቓላሊ ናይ ኣባ መልከጼዴቅ መርገጺ “ነፍሲ ምስ ሥጋ ኣዳም ኪፍጠር ከሎ ብናይ እግዚአብሔር ኡፍታ (ብንፍሓት) ተፈጥረት። ብድኅርዚ ሰብ ብተፈጥሮኣዊ መገዲ ብሥጋዊ ርክብ እናበዝኀን እናተባዝሐን ኪኸይድ ከሎ፡ ነፍሲ ድማ ከምኡ ካብ ናይ ኣቦ ዘርኢን ካብ ናይ ኣደ ደምን እናተኸፍለት ሥጋ (ጥንሲ) ኪፍጠር ከሎ ሓቢራ ካብ ኣብራኽ ወላዲ እናተኸፍለት ምስ ሥጋ ብተዋህዶ ኮይና እንተኾነ ግና ናይ ነፍሲ ባህርይኣ ከይገደፈት፡ ብናይ ሥጋ ባሕርይ ከይተዋሕጠት (በተዓቅቦ) ትራባሕ” ዝብል እዩ እንተበልና ሓሳባቶም ምጥቕላል ከም ዝከኣል ይመስለኒ። ምስ ናይ ኣባ መልከጼዴቅ ዝቀራረብ ናይ (ፈረንጂ) ትምህርቲ ካብ ዌብሳይት ክርእይ ዝደሊ “ብዛዕባ ተዋህዶ ሥጋን ነፍስን” (Ensoulment) ዝብል ቃል ንጎግል ብምሃብ እዞም ዝስዕቡ ኪመጹልና ይኽእሉ፥

1ይ። (pre-existentialism) ማለት “ነፍሲ ሥጋ ከይተፈጥረ ኣብ መዝገበ ነፍሳት ነበረት”
2ይ። (Tradusianism) ማለት “ነፍሲ ምስ ሥጋ ካብ ኣቦን ኣደን ተኸፊላ ናብ ውሉድ ትሓልፍ”
3ይ። (Creationism) ማለት ድማ “ነፍሲ ወከፍ ሰብ ሥጋኡ ኪፍጠር ከሎ ሓዳስ ነፍሲ ትፍጠረሉ” ዝብል ሃይማኖታዊ ኣረኣእያ ተመልኪትካ ምስ ናትና ሊቃውንት ኣመለኻኽታ ምንጽጻር ይከኣል እዩ።

Monday 8 May 2017

ትርጕም ናይ ጥንተ ኣብሶ 5ይ ክፋል

ናይ ጥንተ ኣብሶ ውፅኢት እንታይ እዩ፧ እቲ መርገም ጥራይ ድዩ ዝመኃላለፍ ወይስ ዋላ ኃጢኣቱ፧ ናይ ኤርትራ ኢትዮጵያ፡ ግብጺ ካቶሊክን ምብራቕ ኦርቶዶክስን

 ጥንቲ ኣብሶ እቲ ኣበሳ ዝፈጸሞ ኣዳም እኳ እንተኾነ፡ ቅጽዓቱ ግና ናብ ዝበደሉን ዘይበደሉን እዩ ዝወርድ። “እስመ ኵሉ በአምሳለ ኣዳም ተፈጥረ፡ ኵሉ ሰብ ንኣዳም መሲሉ ከም ኣዳም ደኺሙ ኃጢኣት ሠሪሑ ስለ ዝነበረ እዩ” ከም ዝብል። ነዚ ብቐሊሉ ንምርዳእ፡ ሓደ ናጻ ኾይኑ ዝተፈጠረ ወዲ ሰብ፡ ኣብ ሓንቲ ኣብ ትሕቲ መግዛእቲ ዘላ ሃገር ከም ዝውለድ ማለት እዩ። ወይ ልክዕ ከምታ ዓቢይ ዓለምለኻዊ እገዳ ዝተገብራ ሃገር እሞ፡ በዚ ምኽንያት ኵላቶም ኣብታ ሃገር ዝውለዱ ዜጋታት፡ ካብ ደገ ዝመጽእ ፍርያት ስኢኖም ከም ዝሳቐዩ ማለት እዩ። ከምቲ ግቡእ ክታበት ዘይረኸቡ ቆልዑ ንሕማም ዝተቓልዑ ዝኾኑ፡ ካብቶም ጸጋኦም ዝተገፈፉ (ጸጋ መንፈስ ቅዱስ) ዝተፈለዮም ኣዳምን ሔዋንን ዝውለድ ኵሉ ድማ ጸጋ ዘይብሉ፡ ንሕማመ-ኃጢኣት ዝተጋለጸ ነበረ።

 ብሰንኪ ናይ ኣዳም ኃጢኣት ናይ ኵሉ ሰብ ጸጋ ከም ዝተገፈፈ ኵላቶም ዝሰማምዕሉ እዩ። ሓደ ሰብ ካብ ኣዳም ክውለድ ከሎ ቅጽዓቱ በደሉ ጥራይ ድዩ ወይስ ኃጢኣትውን ይወርስ እዩ ዝብል ግና ዝተፈላለየ ሓሳባት ኣሎ። ነዚ ዝተፈላለየ ሓሳባት ዘለወን ኣብያተ ክርስቲያናት ኣብ ክልተ ምድብ ከፊልና ክንርእየን ክንፍትን ኢና።

1. ኃጢአት ናይ ኣዳምን መርገሙን ናብ ደቁ ኃሊፉ ዝብሉ ካቶሊካውያንን ግብጻውያንን
2. ቅጽዓት ናይ ኣዳም ደኣ እምበር ኃጢአት ናይ ኣዳም ናብ ደቁ ኣይኃለፈን ዝብሉ ናይ ሃገርና ሊቃውንትን ኢትዮጵያውያን ሊቃውንትን ናይ ምብራቓውያን ኦርቶዶክስን

 ካቶሊካውያን፦ ኣብቶም ብናይ ኣውግስጢኖስ ትምህርቲ ዝጓዓዙ ካቶሊካውያን፡ ካብ ናይ ኣዳም ውድቀት ጀሚሩ ወዲ ሰብ ቅጽዓት ጥራይ ዘይኮነስ በደል/ኣበሳ/ ኃጢኣትውን ካብ ማኅፀን ጀሚሩ ብጊዜ ሩካቤ ዘርኢ ካብ ሰብኣይ ናብ ናይ ሰበይቲ ማኅፀን ኣብ ዝኸደሉ ርክብ ምስኡ ተኻፊልዎ ስለ ዝውለድ ነፍሲ ናይ ምግናዛብ ክእለታ ከም ዝተወስዳን ፈጺሙ ከም ዝተዳኸመን ጌሮም እዮም ዝሓስብዎ።

 ግብጻውያን “ናይ ኣዳም ቅጽዓት (consequence of sin) ጥራይ ዘይኮነስ እቲ ኣበሳ (ኃጢኣት) ውን ናብ ወዲ ሰብ ኃሊፉ እዩ” ይብሉ። ናይ ጥምቀት ኣድላይነት ነዚ ናይ ኣዳም ኃጢኣት ንምድምሳስ ከም ዝኾነ ድማ ይምህሩ። ከምዚ ብምባል ድማ ይዛረቡ “The holy sacrament of Baptism is for the remission of sins which is the Original Sin with which evryone is born. We were in Adam when he sinned… ሥርዓተ ጥምቀት ዝፍጸም ነቲ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ክውለድ እንከሎ ምስኡ ዝመጸ ጥንተ አብሶ ሥርየት ንምርካብ እዩ። ኣዳም ክብድል እንከሎ ንሕናውን ኣብ ሕቖ ኣዳም ስለ ዝነበርና ብኡኡ ኵላትና በዲልና ኢና። እዚ ድማ ካብቲ ዝረስሐ ሰብነትናን ካብ ናይ እግዚአብሔር ንጹሕ ኣምሳልነት ብምርሓቕናን እዩ። እዞም ደቂ ኣዳም ዝኾንና ሰብኣውያን ፍጥረታት ንሕና ምስ ጥንተ አብሶን ምስ ዝረስሐን መንነትና ብምውላድና ንኃጢአት ዝተጋለጽና ኢና”

ግብጻውያን ብምቕጻል “ምስ ኣዳማዊ ኃጢኣትን ምስ ውጽኢት ናይ ኃጢአቱን ማለት መወቲ ዄንና ኢና ተወሊድና፡ ምኽንያቱ ናይ ኃጢአት ደሞዝ ሞት እዩ። ናይ ኣዳም ኃጢአት ንዅሎም ዘርኡ ኣደብዚዙ እዩ። ካብ ኣዳም ዚተወርሰ የጎደፈ ተፈጥሮ ንዅሎም ዘርኡ ናብ ኃጢአት ሰሓቦም” ብምባል ኃጢአቱን መርገሙን ወሪስና ከም እንውለድ ይትንትኑ።

 ፖፕ ሺኖዳ 3ይ ውን ነዚ ኣመልኪቶም ከምዚ ይብሉ፦ “We did not inherit the penalty of death from our immediate parents so that we are saved if they are baptised, but we inherited it directly from Adam and Eve: the first of the human race. We were in Adam's loins. When Adam's nature sinned and he was condemned to death, everything in his loins became mortal…. “…..ኣዳማዊ ኃጢኣት ካብ ኣዳም ብዝወረስናዮ ባህርይ ብቐጥታ ናባና ዚኃልፍ እምበር፡ ከም ተላጋቢ ሕማም ካብ ኣቦን ኣደን ናብ ሕፃን ዚኃልፍ ኣይኮነን ሮሜ 5፡12-15። ስለዚ ወለዲ ዋላ እኳ ንሳቶም ብጥምቀት ኣቢሎም እንተ ነጽሑ እቶም ዝወልድዎም ቆልዑ ግና እቲ ናይ ኣዳም ባህርይ ወሪሶም እዮም ዝውለዱ። በዚ ምኽንያት እዩ ድማ ቅዱስ ጴጥሮስ “እቲ ተስፋ ንኣኹምን ንደቅኹምን እዩ ዝተዋህበ ግ.ሐ 2፡39 ብምባል ዝምህር ዝነበረ” ብምባል ይገልጽዎ 

 ምብራቓውያን ኦርቶዶክስ ድማ ብኣንጻሩ “The Orthodox church has kept alive the original understanding of the early church as regards Öriginal Sin” the early church did not understand Öriginal sin” as having anything to do with transmitted guilty but with transmitted morality. Because Adam sinned, all humanity shares not in his guilty but in the same punishment” -ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ነቲ ናይታ ቐዳመይቲ ቤተ ክርስቲያን ብሂል ኣጽኒዓ ኂዛ ኣላ።  እታ ቐዳመይቲ ቤተ ክርስቲያን ጥንተ አብሶ ምስቲ ብዘርኢ ዝመኃላለፍ በደል ዘይኮነስ ምስ መዋትነት ኣተኃኂዛ እያ ትርድኦ። ኣዳም ብምብዳሉ ደቂ ሰባት ንበደሉ ዘይኮኑስ ንፍዳኡ (ንቕጽዓቱ) እዮም ዝካፈልዎ” 

 ናይ ሃገርና ሊቃውንት፦ ካብ ኤርትራውያን ሊቃውንት ናይ ኣቦና መምህር መሪጌታ ክነፈ ርግብ ማርቆስ ምስ ንምልከት ከምዚ ዝብል ንረክብ “ኃጢኣት ልክዕ ከም ሥጋን ደምን ባህርይን ኣይውረስን ኣይክፈልን እዩ። ጥንቲ ኣብሶ ዝተባህለ ግና እቲ ንኣዳምን ሔዋንን ዝተዋህቦም ፍርዲ እዩ። ዝበደሉን ዘይበደሉን ኵላቶም ኃጢኣት ገዝኦም ከም ዝብል ቅዱስ ጳውሎስ ዕዳ ኣቦን ኣደን ናብ ደቆም ከም ዝኃልፍ፡ እቲ ናይ ኣዳምን ሔዋንን ዕዳ መርገም ባርነት ሕማመ ሥጋን ሕማመ ነፍስን ሞተ ሥጋን ሞተ ነፍስን ናብ ደቆም ኪመኃላለፍ ይነብር ደኣ እምበር ጥንተ ኣብሶ ካብ ባህርይ ኣዳም ዝተወሰደ ናይ ውርሻ ኃጢኣት (Original Sin) ኣይኮነን። ብባህርይ ዝመኃላለፍ ነይሩ እንተዝኸውን ግና ዘይበደለ ኣይምተረኽበን። ዝበደሉን ዘይበደሉን ከኣ ኣይምተመቕሉን..ሕፃናት ኣይብድሉን እዮም እንተኾነ ግና ደቂ ኣዳም ብምዃኖም ጥራይ ኣብ ትሕቲ መርገም ኮይኖም ይውለዱ”  ይብሉና(ማቴ 18፡31 19፡14)።

 ትርጕም ቅዳሴ ማርያም ድማ “ጐይታና ካብ ድንግል ማርያም ምስ ተወልደ ፍዳ መርገም ጠፊኡ” ብምባል ኣባና ኃሊፎም ዚነበሩ መርገምን ፍዳን እምበር ኃጢኣት ከም ዘይኮነ የአንፍት።

 መርገም (ፍዳ) ጥራይ ድዩ ዋላስ ኃጢኣት ውን ኃሊፉ እዩ፧ መደምደምታ

 ኣብ (መዝ 14፡1 ሮሜ 3፡11 ሮሜ 5፡12 ኢዮ 15፡14) “ኵሉ ተተኃኂዙ በደለ፡ ሓደ እኳ ጽቡቕ ዝገብር የልቦን” ንዝብል ቃል ኣቦታት ከብርህዎ ኸለዉ “ወበውስተ ውሁድሂ ንብል ኣልቦ፡ ኣዝዩ እንተ ውሒዱ ዋላ ሓንቲ የልቦን ንብል፡ ኣዝዩ ብዙኅ እንተኾይኑ ድማ ኵሉ ንብል” ከም ዝብል ዮሓንስ አፈወርቅ ብምባል ይትርጕምዎ። 

 ቅዱስ ዮሓንስ አፈወርቅ ኣብ ሮሜ 5፡12 ዘሎ ቃል ኪትርጉሞ ከሎ “but what means for that all have sinned፧’ This he having once fallen even they that had not eaten of the tree did from him,all of them become mortal’ ኵሎም ኃጢኣት ጌሮም እዮም ማለት እንታይ ማለት እዩ፧ ንሱ (ኣዳም) ካብ ክብሩ ኪወርድ ከሎ ካብታ ዕፀ በለስ ዘይጠዓሙ ደቁ ኵላቶም ብሰንኩ ድቀት ረኸቦም፡መዋትያን) ኮኑ”  ብምባል ኃጢአት ዘይኮነስ እቲ ብሰንኪ ኃጢአት ኣዳም ዚመጸ ሞትን መርገምን ካልእ ቅጽዓታትን ናብ ኵሉ ሰብ ከም ዚኃለፈ የረድእ።

 ቅዱስ ኣትናቴዎስውን “ኦ ኣዳም ናይ ሞት ፍርዲ ዘምጻእካልናስ እንታይ ጌርናካ ኢና፧ ኦ ሔዋን እንታይ ጌርናኪ ኢና፧” ብምባል ሞት ናባና ከም ዝኃለፈ እዩ ዝገልጽ። 

 “ኃጢኣት ናይ ሕሊና እምበር ናይ ባህርይ ኣይኮነትን” ዝብል ትምህርቲ ናይ ኣበው ድማ ኃጢአት ናብ ሰብ ኪኃልፍ ከም ዘይክእል ወይ ብባህርይኡ ኃጢአተኛ ኮይኑ ኪውለድ ከም ዘይልእል እዩ ዘረደኣና። 
 ቅዱስ ዮሓንስ አፈወርቅ ኃጢአት ባህርይ ናይ ሰብ ከም ዘይኮነ ኣብ ዘመኑ ንዝነበሩ ሰባት መልሲ ኪጽሕፍ ከሎ ከምዚ ይብል፦ “ኣብዚ ይኹን ኣብ ካልኦት ትምህርታቱ ኣበርቲዑ ዝቃወሞ ነገር እንተሎ ነቲ “ክፍኣት (ኃጢአት) ናይ ሰብ ተፈጥሮ እዩ” ዝብል ግጉይ ኣተሓሳስባ እዩ። ክፍኣት (ኃጢአት ተፈጥሮ ወይ ባህሪና እንተ ዝኸውን ነይሩ ይብል፡ ከም ተፈጥሮ ድሌታትናን ዝንባሌታትናን ደኣ ምኾነ እምበር ኪመኃየሽን ኪስተኻኸልን ኪውገድን ኣይምኸኣለን። ብተፈጥሮ ዘለና ነገር ኪልወጥ ኣይከኣልን እዩ፡ ኃጢአት ግና ብትምህርትን ብምኽርን ብቕጽዓትን ምልዋጥን ምትራፍን ይከኣል እዩ፡ ስለዚ ኃጢአት ባህርያዊ ኣይኮነን። ኃጢኣት ጽቡቕ ሥነ ምግባር ብምግዳፍን ቅኑዕ ሕሊና ብምብልሻውን እዩ ዚመጽእ። እቶም ናይ መጀመርታ ፍጥረት ኣዳምን ሔዋንን ብስንፍናኦምን ብዘይ ምጥንቃቖምን እዮም ዝወደቑ። ሎሚውን ናይ ኃጢአት ቀንዲ ምኽንያት እዚ እዩ። ብምኽንያት ናቱ ውድቀት ናይ ወዲ ሰብ ሕሊናዊ ናጻ ፍቓድ እናደኸመን ናብ ኃጢአት እናዘንበለን መጸ። ስለዚ ኃጢአት ዋላ እኳ ናይ ሰብ ባህርይኡ ደኣ ኣይኹን እምበር፡ ናጻ ፍቓዱ ካብ ምድካም ዚተላዕለ ግና ናብ ኃጢአት ዚዘንበለ ኾነ። ስለ ዝኾነ ድማ ነዚ ክፉእ ዝንባለ ብናይ እግዚአብሔር ምሕረትን ረድኤትን ሕሊና ብምንቕቓሕን ነብስኻ ብምግታእን ኃይልካ ብምግዳልን፡ ብዘየቋርጽ ኵነታት ምዕራይን ምስትኽኻልን ይከኣል እዩ” 

 ኣቡነ ጎርጎርዮስ “ሰብ ኣብ ናጽነቱ ከሎ ኃጢኣት ገበረ፡ ብሞት ቀጽዖ፡ በዚ ምኽንያት ደቁ ካብ ኣቦኦም መርገም ወረሱ፡ ናብራኦም ድማ ከም ናይ ኣቦኦም ኣብ ምድረ ፋይዳ ኮነ” ብምባል ካብ ኣዳም መርገሙን ቅጽዓቱን ከም ዝወረስና ይነግሩ። 

 “እምበኣረከስ እቶም ብዙኃት ብዘይምእዛዝ ሓደ ሰብኣይ ኃጥኣን ከም ዝኾኑ” ናይ ዝብል ቃል ትርጕም እዚ ዝስዕብ እዩ

 ቅዱስ ዮሓንስ አፈወርቅ “for  by one man’s disobedience many were made sinners, so by the obedience of one shall many be made righteous. But how would it follow that from his disobedience another would become a sinner፧ For at this rate a man of this sort will not even deserve punishment, if, that is, it was not from his own self that he became a sinner what then does the word sinners here፧ To me it seems to mean liable to punishment and condemned to death. Now that by Adam’s death we all became mortal……. “እምበኣረከስ እቶም ብዙኃት ብዘይምእዛዝ ሓደ ሰብኣይ ኃጥኣን ከም ዝኾኑ”; ከምኡ ኸኣ ብምእዛዝ እቲ ሓደ ኵላቶም ጻድቃን ኪኾኑ እዮም። ግና ከመይ ኢሉ ብናይ ሓደ ዘይምእዛዝ ኵሉ ኃጢኣተኛ ይኸውን፧ ከምዚ እንተኾይኑ ዋላ ሓደ ሰብ ይትረፍ ዶ ኃጢኣተኛ ክበሃልሲ ቅጽዓት (ፍዳ) ውን ኣይግብኦን እዩ። ንኣይ ከም ዝመስለኒ እዚ ብናይ ሓደ ሰብኣይ ዘይምእዛዝ ብዙኃት ኃጥኣን ከም ዝኾኑ፡ ማለት ንቕጽዓት ዝግብኡ ኾኑ፡ ንሞት ተመኃላሊፎም ተዋህቡ ማለት እዩ። ብናይ ኣዳም ሞት ኵላትና መወቲ ኮንና” ብምባል ተርጕምዎ ኣሎ። 
 እዚ ትምህርቲ ናይ ቅዱስ ዮሓንስ ምስቲ ኣብ ላዕሊ ጠቒሰዮ ዘለኹ ቃል ናይ መምህር መሪጌታ ክነፈ ርግብ ሓደ ዓይነት ትምህርቲ እዩ።

ቅዱስ ዮሓንስ አፈወርቅ ናይ ቅዱስ ጳውሎስ መልእኽቲ ናብ ሰብ ገላትያ ኣብ ዚተርጎመሉ ውን “we all are subject to the necessity of nature. And so if vice were an essential element of this life, no one could avoid it. Any more that the things just mentioned. And let me not be told that good men are rare, for natural necessity in insuperable by all, so that also long as one virtous shall be found, by argument will in no wise be invalidated.” “ንሕና ኵልና ንዚተሠርዐ ሥርዓት ንግዛእ ኢና። ስለዚ ኃጢአት ሓደ ተፈጥሮኣዊ ባህርይና እንተኾይኑ፡ ዋላ ሓደ ነዚ ከወግዶ ኣይከኣሎን እዩ። ስለዚ ማንም ሰብ ጽድቂ ዝፍጽሙ ውሑዳት ቅዱሳን ኔሮም ኣይበል። ምኽንያቱ ተፈጥሮኣዊ ባህርይ ኣብ ልዕሊ ኵሉ ዚሥልጥን ስለ ዝኾነ። እንተኾነ ግና ሓደ ናይ ጽድቂ ሥራሕ ተፈጺሙ እንተተረኺቡ፡ ምጉተይ ኵሉ ዋጋ ዘይብሉ ይኸውን” ብምባል ዋላ ሓደ ሰብ ኃጢአት ኣዳም ወሪሱ ኃጢአተኛ ኾይኑ  ከም ዘይውለድ ይምህር።


Sunday 7 May 2017

ትርጕም ናይ ጥንተ ኣብሶ 4ይ ክፋል


ጥንተ ኣብሶ ዝብል ስያሜ ውፅኢት ወይ ከኣ ጥምረት ናይ ክልተ “ጥንትን” “ኣበሳን” ዝብሉ ቓላት እዩ።  
1ይ። “ጥንት” ወጠነ ካብ ዝብል ናይ ግእዝ ቃል ዚወፀ ኾይኑ ትርጕሙ “ምጅማር” ማለት እዩ። ጥንት = “መጀመርታ”
2ይ። “ኣበሳ” መበገሲኡ “አበሰ” ዝብል ናይ ግእዝ ግሲ እዩ። ትርጕሙ ድማ በደለ፡ አበሳ በደል ማለት እዩ። ክልቲኦም ቃላት ኪጣመሩ ኸለዉ “ናይ መጀመርታ በደል” ጥንተ አብሶ ዝብል ትርጕም ይህቡ። ናይ መጀመርታ በደል ዚተባህለ ድማ፡ ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዝረኣናዮ እቲ ናይ መጀመርታ ሰብ (ኣዳም) ሕጊ ምፍራሱ እዩ (ዘፍ 3፡16)
 ጥንተ አብሶ ንምግላጽ ግእዝ “አበሳን ጌጋይን” ዝብሉ ቃላት እናቐያየረ ይጥቀም። ሓደ ሓደ ጊዜ ውን “ኃጢአት” ዝብል ቃል ኣብ ጥቐሚ ይውዕል እዩ። መተርጕማን ብወገኖም ነዞም ሠለስተ ቃላት ንሠለስተ ዚተፈላለዩ ዓይነት ኃጢአታት መግለጺ ተጠቒሞምሎም ኣለዉ። ንኣብነት፦
 መጋቤ ሓዲስ ታመነ ኣበበ ናይ ገፋ ገብርኤል ናይ ሓድሽ ኪዳን መምህር፡ ኣብ ማቴዎስ 6፡12 ንዘሎ ኣቡነ ዘበሰማያት፡ ነታ “ህድግ ለነ ኣበሳነ ወጌጋየነ” ትብል ቃል “ኣበሳነ ወጌጋየነ” ኣብ ሓደ ቦታ ምህላወን ኪትርጕሙ ኸለዉ፡ “አበሳ ናይ ዓመት በደል፡ ጌጋ ድማ ናይ ዕለት በደል” ብምባል ይትርጕምዎ። 
ናይ “ኃጢኣትን ኣበሳን” ፍልልይ ብዝምልከት ድማ ናይ ግእዝ መጽሓፍ ቅዱስ “ኃጢአትየ ነገርኩ ወኣበሳየ ኢኀባእኩ” ንዝብል ናይ ትግርኛ መጽሓፍ ቅዱስ “ኃጢኣተይ ኣፍለጥኩኻ በደለይ ውን ኣይሠወርኩን” ብምባል ኣቐሚጥዎ ኣሎ።(መዝ 34፡5) ትርጓሜኡ ድማ “ንኣሽቱ ኃጢአተይ ነገርኩኻ፡ ዓበይቲ ኃጢአተይ (ኣበሳይ) ውን ኣይሠወርኩን” ብምባል፡ ኃጢኣትን በደልን፡ ንእሽተይን ዓቢይን ንዝኾኑ ኃጢኣታት ፈላሊኻ ንምጽዋዕ ተጠቒምሎም ኣሎ። 

ብተመሳሳሊ “ሕጽበኒ ወአንጽሐኒ እምኃጢአትየ፡ ወእምአበሳየኒ ኣንጽሐኒ” ንዝብል ኣብ መዝ 51፡2 ዘሎ ቃል ኺትርጕምዎ ኸለዉውን “ኃጢኣት ንእሽተይ፡ ኣበሳ ድማ ዓቢይ” እናበሉ ፈላልዮምዎ ኣለዉ።

 ብኻልኦት ቋንቋታት ንኃጢኣት (sin = ኃጢኣት፡ iniquity = ኣበሳ፡ transgression = ሕጊ ምስዓር ብዝብል ይጥቀምሎም።

 ንኣዳማዊ ኃጢኣት ብዙኅ ጊዜ ኣበው ቁራኝነት እናበሉ እዮም ዝጽውዕዎ። “ወበድልወት ኮነ ኩነኔ ከመ ይፍቅዱ ኀበ ኣእምሮቱ እስመ ትዝምደ እጓለ እመሕያው ጻመወ እምነ ዲያብሎስ ወኣጋንንቲሁ ወኢደለወ ይትረሳዕ ለዝልፉ በሙስና ወበእንተዝ ጽሕቀ እግዚአብሔር ለእጓለ እመሕያው ከመ ይድኀን…..ናይ ደቂ ሰብ ባህርይ ብዲያብሎስን ሠራዊቱን ብቁራኝነት ተታኂዙ ደኺሙ ሰለ ዝነበረ……ናብ ብዙኅ ኃጢኣት ዝዘምበሉ ኮኑ፡ ማራኺ ኣብ ልዕሊ ዝማረኾም ከም ዝሥልጥን ናይቲ ዝሞተ ሥጋ ኣብ መቓብር ነፍሱ ድማ ኣብ ሲኦል ኣብ ገሃንም ተቖራንዮም ይነብሩ ነበሩ። ኣዳም ካብ ዚተፈጥረሉ ዘመን ጀሚሩ 5500 ዘመን ክሳዕ ዝፍጸም ኣብ ቁራኝነት ነበሩ..” 
ኣዳማዊ ኃጢኣት ብዙኅ ጊዜ “ቁራኝነት” ብዝብል መጸውዒ እኳ እንተተፈልጠ ጥንተ ኣብሶ ዝብል መጸውዒ ፈጺሙ ኣይፍለጥን እዩ ማለት ግና ኣይኮነን።

 ናይ ደገ ጽሑፋት ድማ ንኣዳማዊ ኃጢኣት “Original Sin, Adamic guilty, Hereditary sin, Original coruption, ዝብሉ ቃላት ይጥቀሙ። ናይ ምብራቕ ኦርቶዶክስ ድማ “እቲ በደል ናይ ኣቦታትና ናይ ኣዳምን ሔዋንን ጥራይ ደኣ እምበር ንሕና ኣይንወርሶን ኢና፡ ንሕና ቅጽዓቱ ፍዳኡ ጥራይ ኢና ንቕበል” ንኽብሉ ብብዝኂ  Ancesteral Sin (ናይ ኣቦታትና ኃጢአት) ዝብል ቃል ይጥቀሙ።

ጥንተ ኣብሶ ምሥጢራዊ (መጽሓፍ ቅዱሳዊ) ትርጕሙ

 ኦሪት ዘፍጥረት ምዕራፍ 3፡17 ከም ዝነገረና ኣዳም ኣምላኻዊ ትእዝዝ ብምፍራሱ “ርግምት ትኩን ምድር በተግባርከ፡ ምድሪ ብሰንክኻ ርግምቲ ትኹን” ዝብል ኣምላኻዊ መርገም በጽሖ። እዚ መርገም እዚ ኣብዚ ተወሲኑ ኣይተረፈን። ምድሪ ዝብል ቃል ኣቦታትና “በስመ ኀዳሪ ይጼዋዕ ማኅደር”  (ማኅደር ብስም ኃዳሪ ይጽዋዕ) ከም ዝብሉ፡ ኣብ ምድሪ ዝነብሩ ኵላቶም ደቂ ኣዳም በጽሐ ማለት እዩ።

 “በጌጋየ ኣዳም ኣሐዱ ብእሲ ቦአት ኃጢኣት ውስተ ዓለም” ከም ዝብል (ኃጢአት ንዅሉ ሰብ ኃጥእ ኣበለቶ” ሮሜ 5፡12 መክ 9፡3 ኤር 17፡9

ሕጊ ምፍራስ ዘምጽኦ ሳዕቤን

ኣቡነ መልከ ጼዴቅ ንሊቃውንት መሠረት ብምግባር ንኣዳም ኃጢኣት ምስ ሠርሕ ዝሰዓብዎ ነገራት ኣብ 3 ይምድብዎም።
1. ብጥንተ ፍጥረት ዚተዋህቦ ውልድነት ምውሳድ
2. ብመንፈስ ምእራግ (ብልየት ምርካብ)
3. ካብ ማኅደርነት ናይ መንፈስ ቅዱስ ምውፃእ እዮም። 
7.28 ናይ ሃገርና ሊቃውንት ብዛዕባዚ

 “ብንፍሓት ዝኃደሮም ጸጋ (ሃብቲ) መንፈስ ቅዱስ፡ ውሉድነት ሥላሴ (ሃብቲ ውልድና) ተገፈፈ። ዕርቃኖም ተረፉ፡ ክብሪ ሰኣኑ።  በዚ ምኽንያት እዚ ድማ ኣብ ልዕሊ ሞተ ሥጋ ሞተ ነፍሲ ተፈሪድዎም፡ ብኣርዑት መርገመ ሥጋን መርገመ ነፍስን ተቖሪኖም ካብ ሓድነት እግዚአብሔር ተፈልዩ። ስለዚ ጸጋኦም ተገፈፈ. . . እኩያት ፍትወታት (ፍትወታተሥጋ) ኃየሎም፡ ባህርይኦም ደኺሙ ንኃጢኣት ዚስዕር ዝነበረ ኣእምሮኦም ብፈተነታት ሰይጣን ብቐሊሉ ዚሰዓር ስለ ዝኾነ፡ ኣብ ዚተረፈ ብድኅሪኦም ዝመጽእ ወለዶ ምፍራስ ሕጊ ስስዕቲ ትዕቢት ትህኪት ክፍኣት ድንቁርና ነገሠ፡ እዚ ዅሉ እዚ ኸኣ እቲ ናይ መጀመርታ ኃጢኣት ጥንተ ኣብሶ ዘምጽኦ ጸገም እዩ። 

ፖፕ ሺኖና 3ይ ናይ ግብጺ ፓትርያርክ ዚነበሩ

 ናይ ግብጺ ኦርቶዶክስ ቤተ ክርስቲያን ፓትርያርክ ዚነበሩ ፓፕ ሺኖዳ 3ይ ናይ ኣዳምን ሔዋንን ቅጽዓት ብኸምዚ ዚስዕብ ይገልጽዎ። ናይ መጀመርታ ወለዲ ኣዳምን ሔዋንን ብቕጽበት ዝሞቱሉ ካልእ መገዲ ኣሎ። 

1ይ. ናይ ሞራል ሞት ናይ መጀመርታ ፍጥረት ብእግዚኣብሔር ኣርኣያ ዝነበሩሉ ናይ መለኮት ኣምሳል ዘጥፍእሉ እዩ ዘፍ 1፡26-27።ኣዳም ኃጢኣት ምስ ሠርሐ “ሓመድ ኢኻ እሞ ናብ ሓመድ ክትምለስ ኢኻ” ተባህለ ስለዚ ኣቐዲሙ ናይ እግዚኣብሔር ኣምሳል ዝነበረ አዳም ሓመድ ኮነ። በዚ ሞራላዊ ውድቀት  ኣዳም ካብታ ገረብ ቅድሚ ምብልዑ ዝነበሮ ቅድስናን ንጽሕናን ሰኣነ፡ ክፉእ ነገር ዘፍልጦ ፍልጠትውን ረኸበ። ልብሲ ዘይብሉ ዕራቖቱ ኮነ (ዘፍ 3፤21)  

2ይ. ካብ እግዚኣብሔር ዝፈሊ መንፈሳዊ ሞት ውን ኣሎ። ኣዳም ንእግዚኣብሔር ፈርሀ ካብ እግዚኣብሔር ክኅባእ ድማ ጀመረ። ወዱ ዝጠፍኦ ኣቦ ከም ዝተዛረቦ ኃጢኣት ብርግጽ ሞት እዩ። ሉቃ 15፡24 1ይ ጢሞ 5፡6 ራዕ 3፡1 

 3ይ. ኣዳምን ሔዋንን ኣብ ናይ ዘለዓለማዊ ናይ ሞት ቅጽዓትውን ነበሩ። ድኅሪ ምሟቱ ናብ ሲኦል ወረደ፡ ናይ ክርስቶስ ድኅነት ድማ ተጸበየ። ናይ ኣበው መጻሕፍቲ ቅዱስ ኣቡሊድስ ዘሮም ውን “ካብ ኣዳም ክሳዕ ሙሴ ብድኅሪ ሙሴ ውን ክሳዕ መስቀል ክርስቶስ ዝነበሩ ቅኑዓት ኣቦታት ብምኽንያት ኣዳም ሞት ከም ዝገዝኦም ይትርኽ”