bieteelyas.blogspot.com ቤተ ኤልያስ

Wednesday 26 September 2018

ዜና መጽሓፍቲ


“እቲ ቓል ኣምላኽ ግና ኣይእሰርን እዩ” (2ይ ጢሞ 2፡9)


እግዚኣብሄር ልዑል እዩ እሞ፣ ንትሑት ይርእዮ፣ ንዕቡይውን ካብ ርሑቕ የለልዮ። 

ብማእከል መከራ እኳ እንተ ኸድኩ፣ ንስኻ ህያው ትገብረኒ፣ ኢድካ ኣብ ኵራ ጸላእተይ ትዝርግሕ፣ የማነይቲ ኢድካውን ተድሕነኒ።  እግዚኣብሄር ኪፍጽመለይ እዩ፣ ጐይታየ፣ ጸጋኻ ንዘለአለም ይነብር፣ ንተግባር ኣእዳውካ ኣይትሕደጎ /መዝ 138፡6-8/


ሰላመ እግዚአብሔር ምስ ኩልና ይኹን፡ ስድራ ክርስቶስ ርሑስ ብዓል እንቋዕ ናብ ብርሃነ መስቀሉ ብሰላም ኣብጽሓና እናበልኩ መቐጸልታ ናይተን ቅድሚ ሕጂ ዘዳለኹወን፦


1. ምፍታሕ እጸልእ ኣሎኹ 1ይ ክፋል

2. ተአምረ ማርያም (MODERN MIRACLES OF S.T MARY)

3. ሰማዕትነት ኣየምልጥኩምን ካልኦትን (ብቅዱስ ዮሐንስ አፈወርቅ

4. ራእይ ዮሐንስ ናይ መወዳእታ ዓለም

5. ናይ ቅዱስ ዮሐንስ አፈወርቅ ሕይወቱን ትምህርቱን

6. ናብ ኦሎምፒያስን ካልኦትን (ካብ ቅዱስ ዮሓንስ ኣፈወርቅ)

7. በእንተ ሃይማኖት


ዝብላ 7 መጽሓፍቲ ሕጂ ድማ ብረድኤት እግዚአብሔር

1 በእንተ ሥነ ፍጥረት

2 ትርጓሜ መጽሐፈ ሶስናን ካልኦትን

3 ሕይወተ ወራዙት (ሕይወት መንእሰያት) 1ይ ክፋል


ዝብላ መጽሓፍቲ ተኃቲመን ቀሪበናልኩም ከም ዘለዋ ከበስረኩም እፈቱ።

ከምቲ ቅዱስ ጳውሎስ “ እቲ ናይ ኣምላኽ ሰብ፡ ንሰናይ ግብሪ ዘበለ ፈጺሙ ተዳልዩ፡ ፍጹም ምእንቲ ኪኸውንሲ፡ መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ ዘበለ ጽሑፍ ንትምህርቲ፡ ንተግሳጽ፡ ንምቕናዕ፡ ንጽድቂ ዚኸውን ምእዳብ ይጠቅም እዩ” /2ይ ጢሞቴዎስ 3: 16-17/ ዝበሎ፡ ናይ ኣምላኽ ሰብ ብምኽንያት በዓል መስቀል ጓይላን ዳንኬራን ገይሩ ኪሕጐስ ስለ ዘይግባእ፡ ብምኽንያት በዓል ቅዱስ መስቀል ንዝተዳለወ ቃሉ ከነንብብ መንፈሳዊ ዕድመይ አቕርበልኩም


ትሕዝቶ መጽሓፍ በእንተ ሥነ ፍጥረትን ብዝኂ ገጽን


ምስጋና 3

መቕድም 8

መእተዊ 18

በእንተ ሥነ ፍጥረት 24

1.1 ሥነ-ፍጥረት ማለት እንታይ ማለት እዩ፧ 24

1.2 ፍጥረት ማለት ከ እንታይ ማለት እዩ፧ 27

1.3 እግዚአብሔር ኪፈጥር ከሎ ብኽንደይ ዓይነት መገዲ (ኣገባብ) ፈጢርዎም፧ ብኸመይን ብኸመይን፧ 28

1.3.1 በነቢብ (ብምዝራብ) ዚፈጠረሉ ምኽንያት እንታይ እዩ፧ 29

1.4  እግዚአብሔር ዝፈጠሮም ፍጥረታት ብሓፈሻ ብባህርይኦምን ኣነባብራኦምን ኣብ ክንደይ ይኽፈሉ፧ 29

2.1 ናይ ዕለተ ሰንበት ሥነ ፍጥረት እንታይ እንታይ እዮም፧ ሰንበት ማለት ከ እንታይ ማለት እዩ፧ 31

2.2  ክንደይ ሰማያት ኣለዉ መነ መን ከ ይበሃሉ፧ 33

2.3 እግዚአብሔር ብጠቕላላ ክንደይ ነገደ መላእኽቲ  ፈጢሩ፧ ናይ ኵሎም ሓለቓ ዝነበረ ኸ መን ይበሃል ነበረ፧ 34

2.4  ሳጥናኤል ማለት ከ እንታይ ማለት እዩ፧ 35

2.5 ስለ ምንታይ ዲያብሎስ ካብ ሰማይ ወዲቑ፧ 35

2.6 ዲያብሎስ መኣስ እዩ እንጦርጦስ ዝወረደ፧ 36

2.7 ሠራዊተ ዲያብሎስ ኣብ ክንደይ ቦታ ወዲቖም፧ 39

2.8 ብርሃንን ጸልማትን ዝምህሩና ትምህርቲ እንታይ ኣሎ፧ 41

ምዕራፍ 3 ናይ ሰኑይ ሥነ ፍጥረት 44

3.1 ሰኑይ ማለት እንታይ ማለት እዩ፧ ናይ ሰኑይ ሥነ-ፍጥረት ክንደይ እዮም፧ እንታይን እንታይን ከ ይበሃሉ፧ 44

ምዕራፍ 4 ናይ ሠሉስ ሥነ ፍጥረት 45

4.1 ሠሉስ ማለት እንታይ ማለት እዩ፧ ናይ ሠሉስ ሥነ ፍጥረት ክንደይ እዮም፧ እንታይ እንታይ ከ ይበሃሉ፧ 45

4.2 ጽቡቕ ከም ዝኾነ ረኣየ እንታይ ማለት እዩ፧ 46

4.3  ናይ  ምድላው ሥራሕ 46

4.4 ናይ ሠሉስ ሥነ ፍጥረትን ምሳሌኡን 47

4.5  ኣብ ገነት ብመዓልቲ ሠሉስ ዝተፈጥሩ ዕፀዋት ክንደይ ዓይነት እዮም፧ 50

4.6 ኪትመውት ኢኻ፦ 55

4.7 ኣዒንቶም… ተኸፍተ 56

ምዕራፍ 5 ናይ ረቡዕ ሥነ ፍጥረት 58

5.1 ረቡዕ ማለት እንታይ ማለት እዩ፧ ናይ ረቡዕ ሥነ ፍጥረት ክንደይ እዮም፧ እንታይ እንታይ ከ ይበሃሉ፧ ዘፍ 1፡17 58

5.2 እዞም ፍጥረታት እዚኣቶም ኣብ 3ይ መዓልቲ ዚተፈጥሩሉ ምኽንያት እንታይ እዩ፧ 60

5.3 ካብዚኣቶም ከ እንታይ ንመሃር፧ 63

ምዕራፍ 6 ናይ ኃሙስ ሥነ ፍጥረት 65

6.1 ኃሙስ ማለት እንታይ ማለት እዩ፧ ናይ ኃሙስ ሥነ ፍጥረትከ ክንደይ እዮም፧ እንታይ እንታይ ከ ይበሃሉ፧ ዘፍ 1፡20 65

6.2 ናይ ኃሙስ ሥነ ፍጥረት  ናይ ጥምቀት ምሳሌ 66

6.3 ናይ ኃሙስ ሥነ ፍጥረት  ናይ ምንኵስና  ምሳሌ 66

ምዕራፍ 7 ናይ ዓርቢ ሥነ ፍጥረት 67

7.1 ዓርቢ ማለት እንታይ ማለት እዩ፧ ናይ ዓርቢ ሥነ ፍጥረትከ እንታይ እንታይ እዮም፧ ዘፍ 1፡26 67

7.2 መን ንመን ከ እዩ “ብመልክዕና ከም ምስልናን ሰብ ንፍጠር” ዝበሎ፧ 68

7.3  “ብመልክዕናን ከም ምስልና ሰብ ንፍጠር” ማለት ከ እንታይ ማለት እዩ፧ 70

7.4 ሰብ ካብ እንታይን እንታይን እዩ ተፈጢሩ፧ 76

7.5 ብዛዕባ ናይ ነፍሲ ተፈጥሮ ዚተዋህበ ዚተፈላለየ ናይ ስሕተት ትምህርቲ 77

7.6 ብዛዕባ ናይ  ነፍሲ ኣፈጣጥራ ቅኑዕ ናይ ቤተ ክርስቲያንና ትምህርቲ 78

7.7 ኣዳም ኣበይ ቦታ ተፈጢሩ፧ 86

7.8 ሔዋን መዓስ ተፈጢራ፧ 86

7.9 ስለ ምንታይ ሔዋን ካብ ጐድኑ ተፈጢራ፧ 87

7.10  እግዚአብሔር ንኣዳም ስለ ምንታይ ድቃስ ኣምጽኣሉ፧ 89

7.11 ኣዳም እታ ደቂሱ ኸሎ ዚተፈጥረት ሔዋን ካብ ዓጽሙ ከም ዚተፈጥረት ከመይ ገይሩ ፈሊጡ፧ 90

7.12 “ኣቦኡን ኣደኡን ይኅደግ  ዝብል ቃል ምስ ነገረ ክርስቶስ ዘለዎ ዝምድና እንታይ እዩ፧” 91

7.13 ኣዳም ወዲ ኽንደይ መዓልቲ፡ ወርኂ ወይ ዓመት ካብ ምድሪ ናብ ገነት ተወሲዱ፧ ሔዋን ከ፧ 92

7.14 ካብኣ ብዚበላዕካላ መዓልቲ ሞት ኪትመውት ኢኻ”  ማለት እንታይ ማለት እዩ፧ 93

7.15 ስለምንታይ ንኣዳም ካብታ ኦም ከይበልዕ ከልከሎ፧ 94

7.16 ስለ ምንታይ እዩ እግዚአብሔር ንኣቦና ኣዳም ንገነት ዕየያ ኢሉ ዚኣዘዞ፧ 97

7.17 ስለምንታይ እዩ ንሰብ ደው ኣቢሉ፡ ካልኦት እንስሰሳታት ግና ክሳዶም ኣድኒኑ ብኣርባዕተ መሓውር ከም ዝኸዱ ገይሩ ዚፈጠሮም፧ 98

7.18 ሰብ ንፍጠር….ንዅሉ እንስሳ ኸኣ ይግዝኡ በሎም 98

7.19 ኣዳምን ሔዋንን ሕጊ እግዚአብሔር ብምሕላው ኣብ ገነት ዝነበሩለን ዓመታት ክንደይ እየን፧ 100

7.20 ናይ ወዲ ሰብ ኃጢኣት እንታይ ነይሩ፧ 100

7.21 ኣዳም ኣበይ ኣሎኻ ዝበሎ ኣበይ ከም ዝነበረ ጠፊእዎ ድዩ፧ 100

7.22 ፍርዲ እግዚአብሔር ኣብ ልዕሊ ተመን፡ ሔዋንን ኣዳምን እንታይ ነይሩ፧ 103

7.23 ኣብ ልዕሊ ተመን ዚተዋህበ ፍርዲ ቅኑዕ ድዩ፧ 104

7.24 ስለ ምንታይ መርገም ቅድሚ ኣዳም ብሔዋን ጀሚሩ፧ ኣብ ልዕሊ ሔዋን ዝተመኃላለፈ ፍርዲኸ  እንታይ ጥቕሚ ነይርዎ፧ 106

7.25 ኣዳም ምኽሪ ሰበይቱ ምስምዑ ጌጋ ድዩ ነይሩ፧ 109

7.26 ኃጢኣት ናይ ኣዳምን ሔዋንንዶ ወይስ መርገሙ እዩ ናብ ደቆም ዝኃለፈ፧ 111

7.27 ትርጕም ናይ ጥንተ አብሶ 111

7.28 ጥንተ አብሶ ምሥጢራዊ (መጽሓፍ ቅዱሳዊ) ትርጕሙ 114

7.29  ሕጊ ምፍራስ ዘምጽኦ ሳዕቤን 115

7.30 ናይ ሃገርና ሊቃውንት ብዛዕባዚ 115

7.31 መበል 117 ናይ ግብጺ ፓትርያርክ ዚነበሩ አቡነ ሺኖና 3ይ 116

7.32 ናይ ጥንተ አብሶ ውፅኢት እንታይ እዩ፧ እቲ መርገም ጥራይ ድዩ ዝመኃላለፍ ወይስ ዋላ ኃጢኣቱ፧ ናይ ኤርትራ፡ ኢትዮጵያ፡ ግብጺ፡ ካቶሊክን ምብራቕ ኦርቶዶክስን 117

7.33 መርገም (ፍዳ) ጥራይ ድዩ ዋላስ ኃጢኣትውን ኃሊፉ እዩ፧ መደምደምታ 122

7.34 ቅድሚ ስቕለተ ክርስቶስ ዝነበሩ ጻድቃን ናበይ ይኸዱ ነይሮም፧ 126

7.35 ጐይታና ንጥንተ አብሶ ጥራይ ድዩ ዋላስ እንኮላይ ንምልኣተ ኃጢኣት (ዕለት ዕለት ንሠርሖ ኃጢኣት) እዩ ተሰቒሉ፧ 127

7.36 ጥንተ አብሶ እንተ ተደምሲሱ ንምንታይ ንመውት፧ 129

7.37 ስለምንታይ ሰብ ኣብ ዘመነ ሓድሽ ጽዒሩ ርሂጹ ይበልዕ፧ 130

7.38 ብዛዕባ ድኅሪ ምውዳቖም ዝተኸድንዎ ክዳን 132

7.39 “እንሆ፡ ኣዳም ከም ሓደ ኻባና፡ ጽቡቕን ክፉእን ዚፈልጥ ኮይኑ አሎ” ማለት እንታይ ማለት እዩ፧ 133

7.40 ኣዳምን ሔዋንን እንተዘይምርዓዉ ከመይ ኢልና ምተባዛኅና፧ 137

7.41 ንወዲ ሰብ ዝተኣተወሉ ተስፋ እንታይ ነይሩ፧ 139

7.42 ምሥጢራተ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ሥነ ፍጥረት 143

7.43 ሥርዓተ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ሥነ ፍጥረት 147

መወከሲ መጻሕፍቲ 151

ትሕዝቶ መጽሓፍ ትርጓሜ መጽሓፈ ሶስናን ካልኦትን ብዝኂ ገጽን


ሓፈሻዊ መእተዊ 13

ናይ መጽሓፈ ሶስና መእተዊ 15

ቀዳማይ ክፋል 16

ትርጓሜ መጽሐፈ ሶስና 16

ማዕዳ ካብ ኣቦታትና ንቀበል 52

ቅዱስ ኤፍሬም ሶርያዊ 53

መተሓሳሰቢ 60

ካልኣይ ክፋል 65

2.1 ሥዉራት ጸላእቲ 66

2.3 ንቕሑ ኣብ እምነትኩም ጽንዑ ሰብኡት ኩኑ በርትዑ ኵሉ ግብርኹም ከኣ ብፍቕሪ ግበርዎ 1ይ ቆሮ 16፡13 98

2.4 እታ መዓልቲ ምድኃን ሕጂ ኢያ 108

2.5 ንእግዚአብሔር ዘይፈልጡ ናይ እግዚአብሔር ኣገልገልቲ 1ይ ሳሙ 2፡12 117

2.6 ጐይታይ ናይ ዘለዓለም ቃል ሕይወት ኣባኻ ከሎስ ናብ መን እሞ ኽንከይድ፧ (ዮሐ 6፡68) 127

ሣልሳይ ክፋል 134

ሥርዓተ ቤተ ክርስቲያን 134

ትርጕም ሥርዓት 135

ሥርዓት ንምንታይ  የድሊ 139

ሓደ ልብን ሓደ ሓሳብን ንምዃን 140

ናይ ሃይማኖት ምሥጢራት ንምፍጻም፡ 140

ሥርዓተ ቤተ ክርስቲያን ምምሃር ንምንታይ ይጠቅም፧ 141

ሥርዓት ቤተ ክርስቲያን ንብሎ ነየናይ እዩ፧ 141

ናይ ሥርዓተ ቤተ ክርስቲያን ምንጭታት 142

መጽሓፍ ቅዱስ 142

ናይ ሲኖዶስ (ናይ ቅዱሳን ኣቦታት ጉባኤያት) ውሳኔታት 144

ጉባኤያት ቤተ ክርስቲያን 150

ጉባኤ ኒቅያ 150

ጉባኤ ቁስጥንጥንያ 153

ጉባኤ ኤፌሶን 154

ሥርዓተ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ብሉይ ኪዳን 154

ሥርዓተ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ሓድሽ ኪዳን 155

ሥርዓት ብጐይታና 155

ሥርዓት ብሓዋርያት 156

ትውፊት 157

ትውፊትን (Tradition) ኣፈ ታሪኽን (Legend) 159

ትውፊትን ቤተ ክርስቲያንን 159

ትውፊት ኣብ ብሉይ ኪዳን 160

ትውፊት ኣብ ሓድሽ ኪዳን 162

ሓዋርያት ብትውፊት ዝተቐበልዎ 163

ሊቃውንትን ትውፊትን 165

ትውፊት ንሥርዓተ ቤተ ክርስቲያን ዝገበሮ ኣስተዋጽኦ 168

ትርጕም ቤተ ክርስቲያን 170

ሕንፃ ቤተ ክርስቲያን 170

ጉባኤ ምእመናን 170

ሰብነት ናይ ክርስቲያን 171

ቤት መቕደስ 172

ሕንፃ ቤት መቕደስ 172

ሰብነት ምእመናን (1ይ ቆሮ 3፡16) 174

ቅድስት ድንግል ማርያም (ሕዝ 44፡1-3) 174

ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ 177

ቅዱስ መስቀል 179

ትንቢት ብዛዕባ ቤት መቕደስ 180

ቤት መቕደስ ኣብ ሓድሽ ኪዳን 183

ቤት መቕደስ ንምሥራሕ እንታይ የድሊ፧ 184

ትርጕም ክፍልታት ቤት መቕደስ 187

ቅድስተ ቅዱሳን ናይ ድንግል ማርያም ምሳሌ 189

ብዛዕባ ቤት መቕደስ ዝለዓሉ ሕቶታት 200

ምሥጢር ምቕዳድ መጋረጃ 200

ብኢድ ሰብ ዘይተተኽለት ቅድስተ ቅዱሳን /መስቀል/ 206

ንቤተ ክርስቲያን ክንከይድ ከለና ክንገብሮም ዝግብኣና ቅድመ ምድላዋት 209

ኣብ ጊዜ ቅዳሴ ዘይፍቀዱ 213

መወከሲ መጻሕቲ 218


ትሕዝቶ መጽሓፍ ሕይወተ ወራዙት (ሕይወት መንእሰያት)


ምስጋና 2

መቅድም 8

መእተዊ 11

ምዕራፍ ሓደ 13

ሕይወተ ወራዙት 13

ምሉእ ሰብ ናብ ምዃን ምዕባይ 15

ዘመነ ውርዛዌ 22

ምዕራፍ ክልተ 26

ብሱል መንእሰይ 26

ትምኒት መንእሰያት 31

መንእሰያትን ፈተናታቶምን 36

ምዕራፍ ሠለስተ 38

ምልክታት ጉብዝና 38

“ሕልመ ሌሊት” እንታይ እዩ፧ 39

ሕልመ ሌሊት ኃጢኣት ድዩ፧ 41

“ዝንየት”ን መንፈሳዊ ሥርዓቱን 48

“ሕልመ ሌሊት” መፍትሒ ኣለዎ ዶ፧ 52

ምዕራፍ ኣርባዕተ 59

“ግብረ ኦናን” እንታይ እዩ፧ 59

“ግብረ ኦናን” ግቡእ ድዩ፧ 65

ብዛዕባ “ግብረ ኦናን” ዚምልከት መጋገዪ ዝኾኑ ሓሳባት 70

ግብረ ኦናን ምፍጻም ሰብ ምቕታል ኪኸውን ይኽእልዶ፧ 78

ሳዕቤን (ጕድኣት) ናይ ግብረ ኦናን 79

ካብ ግብረ ኦናን ከመይ ኢልካ ክትላቐቕ ይከኣል፧ 81

ምዕራፍ ኃሙሽተ 85

ምትረተ እስኪት 85

ምዕራፍ ሽዱሽተ 94

ምልክታት ዓቕሚ ሔዋን 94

ምዕራፍ ሾብዓተ 98

ወርኃዊ ጽግያትን ስያሜኡን 98

ወርኃዊ ጽግያት መኣስን ኣበይን፧ 102

ኣብ ጊዜ ወርኃዊ ጽግያት ዘጋጥም ናይ ሕማም ስምዒት 103

ወርኃዊ ጽግያት ርኽሰት ድዩ፧ 105

ኣብ ጊዜ ወርኃዊ ጽግያት ካብ ምንታይ ክንክልከል ይግባእ፧ 107

ስለምንታይ ናብ ቤተ መቕደስ ዘይኣትዋ፧ 114

ምዕራፍ ሸሞንተ 122

ድንግልና እንታይ እዩ፧ 122

ናይ ማኅተመ ድንግልና ስያሜታት 125

ዓይነታት ድንግልና 128

ድንግል በክልኤ 130

ደናግልን ኣከዳድናአንን 132

ሥጋዊ ድንግልና ሓደ ጊዜ ምስ ጠፍአ ኪምለስ ይኽእልዶ፧ 132

ድንግልና ክሳዕ መኣስ 136

ምሉእ ሕይወትካ ምድንጋል 136

ክሳዕ ጊዜ መርዓ ብድንግልካ ምጽናሕ 141

ብድንግልና ምንባር ዘይከኣል ነገር ድዩ፧ 144

ምሕጻይን ምምርዓውን ደናግል ኴንና ክንፍጽሞም ይግባእ! 147

ቅድሚ መርዓ ድንግልናኻ ምኽሳር፡ መለኰን ይገብረካ! 150

ድንግልናን ሥርዓተ ተኽሊልን 153

"ድንግል" ክብሃል ይኽእል ዶ፧ 154

መብጽዓ ድንግልና፡ ኃጢኣት ድዩ፧ 157

ድንግል እየ! ኢለ ሓስየ ንሕጹየይ ነጊረዮ! እንታይ ትመኽሩኒ፧ 159

ስለምንታይ'የ፡ ድንግልናይ ክሕሉ ዝግብኣኒ፧ 162

ጥቕሚ ምዕቃብ ድንግልና 166

ድንግልና ዘጥፋኡ ሓደጋዊ ወቕታትን ቦታታትን ኣጋጣሚታትን 174

ድንግልና የመክሕ ድዩ፧ 191

ምእንቲ ድንግልና ምብካይ ምጻምን ይግባእ! 197

ንድንግልና ምቅላል የቕዝፍ እዩ! 200

ድንግል ጓል ትደሊ ዲኻ፧ 203

ምዕራፍ ትሽዓተ 206

ትውዝፍት /ናይ ምንዝርና ጌጽ/ 206

ነፍሲ ወዲ ሰብ ብዛዕባ ኣከዳድና እኹል ኣፍልጦ ኣለዋ 208

ኣከዳድና ብዝምልከት ብዛዕባ ደቂ ተባዕትዮ’ኸ እንታይ ክብሃል ይከኣል፧ 210

ናይ ክዳን ምሳሌነትን ምሥጢርን 211

ዝግባእ ክዳን 213

ብኽዳውንቲ ኣብ ተጊጽሉ ጊዜ ከተስተውዕልሎም ዝግበኣኪ ነገራት 216

ኣከዳድናኺ ብዛዕባኺ ጽቡቕ ገይሩ እዩ ዝዛረብ። 224

ንምንታይ እዩ ኣፍኣዊ መጋየጺ (ስልማት) ምፍታው ኣምልኾተ ጣዖት እዩ ዝብሃል፧ 227

‘ሰበይቲ ክዳን ሰብኣይ ኣይትከደን’ ማለት እንታይ ማለት እዩ፧ 229

ደቂ ኣንስትዮ ስረ ኪኽደና ይኽእላ ዶ፧ 231

ብዛዕባ መጋየጺኸ እንታይ ክብሃል እዩ፧ 231

ክርስቲያናዊ ኣተኃኅዛ ፀጕሪ ኸመይ እዩ፧ 233

ብዛዕባ መልክዕ ክህልወና ዘለዎ ቅኑዕ ርድኢት 236

ምዕራፍ ዓሠርተ 239

መንእሰያትን ትምህርትን 239

ዓይነታት ትምህርቲ 243

ኣየናይ ይቐድም፧ 247

ብግቡእ ምምሃር 250

ጥቕሚ ትምህርቲ 252

ኣብ ትምህርቲ ምህላው (ምንባር) ሓለዋ እዩ 253

ጥቕሚ መንፈሳዊ ትምህርቲ 255

ትምህርቲ ጕድኣት ይህልዎዶ፧ 259

መጠናዊ ጕድኣታት ትምህርቲ 261

ምዕራፍ ዓሠርተው ሓደ 264

ጽቡቕ ስም 264

ኀፊረ ገጽ 268

ዕዉት ሰብ 273

ኣብ ጊዜ ንእስነትካ ንፈጣሪኻ ዘክር 277

መወከሲ መጻሕፍቲ 281


ብእኡ ዅሉ ዀነ፡ ካብቲ ዝዀነ ዘበለ ድማ ብዘይ ብእኡ ዝዀነ የልቦን።/ዮሓ 1፡3/