bieteelyas.blogspot.com ቤተ ኤልያስ

Saturday 16 April 2016

ትምህርተ ሃይማኖት 1ይ ክፋል

በስመ አብ ወወልድወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን!!!

ምዕራፍ 1. ትሕዝቶ ትምህርተ ሃይማኖት
1.1 ትርጉም ሃይማኖት
1.2 ህልውና እግዚኣብሔር
1.3 ሥነ ፍጥረት
1.4 5 ኣዕማደ ምሥጢር
ምዕራፍ 1 ሃይማኖት
1.1 ትርጉም ሃይማኖት
ሃይማኖትማለት አምነ፣ አመነ ካብ ዝብል ናይ ግእዝ ግሥ ዝወጸ ኮይኑ ትርጕሙ ድማ ምእማን፡ (ብእግዚኣብሔር ምእማን ወይ ኣብ እግዚኣብሔር ምእማን ማለት እዩ።)
ሃይማኖት ማለት እግዚኣብሔር ንኩሉ ፍጥረት ካብ ዘይምንባር ናብ ምንባር ዘምጽኣሉ ብሓድነትን ብሰለስትነትን ዝምስገን ኩሉ ዝኽእል ኣምላኽ ምዃኑ ምእማን ማለት እዩ። ስለ ብሓጺር ኣገላልጻ ሃይማኖት ብግእዝ ኮይኑ ብትግርኛ ድማ እምነት ማለት እዩ።


1.2 እምነት(ሃይማኖት)
 እዚ እምነት እዚ ብመሠረቱ ካብ ኣምላኽ ንደቂ ሰባት ዚወሃብ ህያብ ስለ ዚኾነ፡ ሰብ ኪምልኣሉ ከጉድልለሉ ኮነ ከመሓይሾ ዓቕምን ሥልጣንን የብሉን። ቅዱስ ዮሐንስ አፈወርቅ ““ኣሚንሰ መሠረት ይእቲ ወካልኣኒሃ ሕንፃ ወንድቅ እሙንቱ፡ እምነት መሠረት እያ፡ ካልኦት ድማ ሕንጻን መንደቕን እዮም ከም ዝበለና ኣብ ናይ ቤተ ክርስቲያንና ትምህርቲ ድሕነት፡ መጀመርያዚሥራዕ እምነት እዩ። እቶም ካልኦት ምሥጢራትን ምግባራትን ድማ  ብድሕሪኡ ተኸቲሎም ዚወሃቡ እዮም።  ስለ ከምቲ ቅዱስ  ዮሐንስ ወንጌላዊ ንሕናስ ክርስቶስ ወዲ ሕያው እግዚአብሔር ከምዝኾንካ ኣሚንናን ተረዲእናን ኢናዚበሎ ኣቐዲምና ኣምላኽነት ክርስቶስን፡ ምእንታና ዚኸፈሎ ዋጋን ዚሃበና ድሕነትን ኪንኣምን ይግበኣና። (ዮሐ.6:69)  
 
 እግዚአብሔር ካብ ኣእምሮ ደቂ ሰባት ንላዕሊ ዚኾኑ ነገራት ኪገብር ከም ዚኽእል ንእግዚአብሔር ዝሰኣኖ ነገር የሎንኢልካ ምእማን ውን ሃይማኖት እዩ (ሉቃ 137 ቅዱስ ጳውሎስ ውን  እምነት ነቲ ዘይርኣ ከምዝርአ ጌርካ ምእማንይብለና።(ዕብ 111)  
1.2.1 ሃይማኖት እግዚአብሔር ንደቂ ሰባት ብምግላጹ ዝተረ ኣምላኻዊ ህያብ
 
ሃይማኖት (እምነት) ደቂ ሰባት ኣኼባ ጌሮም ተመራሚሮም ኣብ ሓደ መደምደምታ ብምብጻሕ  ውሳኔ  ብምትሕልላፍ ዚምሥርትዎ ኣይኮነን። እንታይ ድኣ እግዚአብሔር ንደቂ ሰባት ሓንሳብን ንሓዋሩን ዚሃቦ ሰማያዊ ህያብ እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ነዚ ሓቂ እዚ ከም ብምባል የረጋግጾ በታ ሓንሳእ ንቅዱሳን ዚተዋህበት እምነት ኪትጋደሉ ጽሒፈ ኪመኽረኩም ናይ ግዲ ኮነኒ” (ይሁ 13)
 
 በዚ መሠረት ናይ ሃይማኖት ወናኒን መሥራትን እግዚአብሔር ኮይኑ፡ ንሱ ነዚ ጸጋ እዚ ንቅዱሳኑ ሃበ፡ ቅዱሳን ድማ ነቶም ብእምነት ዚመስልዎም ኣቐበልዎም ከምዚ እናበለ እናተቐባበለ ድማ ኣባና በጽሐ ንሕና ድማ ተቐቢልና ከነሕልፎ ኢና ብድሐሬና ድማ ከምኡ እናበለ ኪሳብ ምጽኣት ክርስቶስ ኪቕጽል እዩ። ብድሕሪ ፍርዲ ግና ነቲ ብዓይኒ ከይረኣና ተስፋ ዚገበርናሉ ኣምላኽን መንግሥተ ሰማያትን ስለ እንርእዮምን እንረኽቦምን ብእምነት ዘይኮነስ llkብፍቕሪ ዘለዓለማውያን ኴንና ኪንነብር ኢና። (ራእ 223-5)

ሓደ ሓደ ጊዜ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እምነት ወስኸና ዚብል ቃል ነንብብ ኢና። ንኣብነት ኣብ ሉቃስ 17:5 ሐዋርያት ድማ ንጐይታ፥ እምነት ወስኸና፡ በልዎ ዚብል ቃል ኣሎ። እዚ ማለት ግን ሃይማኖት ይውሰኽ እዩ ማለት ኣይኮነን። ሰብ ኣብ እግዚአብሔር ዘለዎ እምነት፡ ኣብ ሥርዓተ እግዚአብሔር ዘለዎ እምነት ባዕሉ ብሰንኪ ድኻሙ ይጎድል እዩ። እዚ ሰብ እዚ ብንስሓ ተመሊሱ ካብ ውድቀቱ ተሓዲሱ ብጾምን ብጸሎትን እናተጋደለ ነታ ጎደሎ እምነት ናይ ውሽጡ ኪምልኣ ግን ይኽእል እዩ።
 
ስለ እታ ካብ ኣምላኽ ንደቂ ሰባት ሓንቲ ጊዜ ዚተዋህበት ሃይማኖት ኣይትውሰኽን ኣይትመሓሽን ኣይትሕደስን ውን እያ። እቲ ኪሕደስን ኪመሓየሽን ዘለዎ ግን እቲ ንዓኣ ከምታ ካብ ኣቦታትና ዚመጸታ ከይነከየ ከይጨርመመ ከይወሰኸ ንኽቕበላ፡ ብሰንኪ ድኹም እምነቱ ዓቐብ ዚኾኖ ሰብ ንሱ ንነብሱ ከሐድሳ ኣለዎ።


 


 

እዛ ወስኸናዚተባህለት እምነት ድማ ብዛዕባ እቶም ኣብታ ሓንሳብ ንቅዱሳን ዚተዋህበት እምነት (ሃይማኖት) ዘለዉ ሰባትን ናይ ቅድስና ሕይወቶምን ዘሎ ፍልልይ ከተነጽረልና ትኽእል እያ። እግዚአብሔር ኣነ ቅዱስ እየ እሞ ንስኻትኩም ከኣ ቅዱሳን ኩኑ ኢሉ እኳ ንኵልና ደቂ ሰባት ማዕረ ዕድል እንተ ሃበና፡  ኵሉ ኣብታ ቅድስቲ ናይ ሐዋርያት እምነት ዚነብር ሰብ ግና ሓደ ዓይነት ቅድስና የብሉን። እንታይ ድኣ ከምቲ ወንጌል ዚነግረና ናይ 30 ኣለዉ ጀመርቲ፡ ናይ 60 ኣለዉ ማእከሎት፡ ናይ 100 ድማ ኣለዉ እዚኣቶም ከምቲ ጐይታ እቲ ሰማያዊ ኣቦኹም ፍጹም ዚኾነ ንስኻትኩም ድማ ፍጹማን ኵኑ ዚበሎም ፍጹማን ሰባት እዮም። ቅዱስ ጳውሎስ ሐዋርያ ውን ብኽብሪ ኮኾብ ካብ ኮኾብ ይበልጽ እዩ ይብል”(1 ቆሮ 1541)
 
 ስለ ኣብታ ሓንቲ ጊዜ ንቅዱሳን ዚተዋህበት ሃይማኖት ዘሎ ሰብ ሓደ ሓደ ጊዜ እምነቱ ስለ ዝጎድል ንኣምላኽ ከማርሮ ይረአ፡ ተስፋ ኪቖርጽ ውን ይጅምር ኪሳብ ናብ ነብሰ ቅትለት ኣቢሉ ውን ኪምራሕ ይኽእል። ከምዚ ዓይነት ጐደሎ እምነት ዘለዎ ሰብ ብንስሓ ተመሊሱ ነቲ ጐደሎ እምነቱ ከመሓይሾን ኪምልኦን ይግባእ። ሐዋርያት ዋላ እኳ ንጐያታ ኣሚኖም ይኽተልዎ እንተ ነበሩ ጐደሎ እምነት ስለ ዚነበሮም ግና ጐይታ ከም እናበለ ይግስጾም ነበረ ኢየሱስ ከኣ እምነትኩም ስለ ዚጐደለት ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ ክንዲ ፍረ ኣድሪ ትኣክል እምነት እንተሃልያትኩም፡ ነዚ ገረብ ድማ ናብዚ ኣግልስ ትብልዎ እሞ ንሱ ድማ የግልስ” (ማቴ 1720) ደጊሙ ድማ  ንሱ ከኣ ስለምንታይ እዩ ከምዚ ዚፈራህኩም ከመይ እምነት የብልኩምን በሎም”(ማር 440) 
 ስለ ኣብዚ ኵሉ ኣብነታት ከም ዚረኣናዮ እታ ሓንሳብ ንቅዱሳን ዚተዋህበት ሃንቲ እምነት ኵሉ ጊዜ ሓዳስ ስለ ዚኾነት ብማንም ዓይነት መልክዑ ምሕዳስ ዘድልያ ኣይኮነን። እቲ ኣብኣ ዚነብር ሰብ ግና እምነቱ ብሰንኪ ድኽመቲ ኪጐድል ስለ ዚኽእል ንእግዚአብሔር ጐደሎ እምነተይ መልኣለይ! ንዘይምእማነይ ደግፈኒ! እናበለ ኪጽሊ ይኽእል።

1.2.2 ሃይማኖት ንቲ እያ
ሃይማኖት ካብ እግዚአብሔር ንደቂ ሰባት ሓንቲ ጊዜ ጥራይ ዚተወሃበት ስለ ዚኾነት ሃይማኖት ሓንቲ እያ። ነዚ ኣመልኪቱ ቅዱስ ጳውሎስ ከምዚ ይብል ሓንቲ እምነት ሓደ ጐይታ ሓንቲ ጥምቀት” (ኤፌ45)  318 ሊቃውንት ኣብ ዚደንገግዎ ጸሎተ ሃይማኖት ውን “ወነአምን በአሐቲ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን እንተ ላዕለ ኵሉ ጉባኡ ዘሐዋርያት” ትርጉሙ “ልዕሊ ኵሉ ጕባኤ ናይ ሐዋርያት ብዚኾነት ሓንቲ ቅድስቲ ቤተ ክርስቲያን ንኣምን” ማለት እዩ። ስለ ከምዚ ብዙሓት ብዛዕባ ሃይማኖት እኹል ርድኢት ዘይብሎም ሰባት ዚብልዎ፡ ኵሉ ሃይማኖት ቅኑዕን ናብ ኣምላኽ ዘብጽሕን ኣይኮነን። ብዙሕ መንገድታት እኳ እንተሃለወ ናብ ኣምላኽ ከተብጽሕ እትኽእል መንገዲ (ሃይማኖት) ግና ሓንቲ እያ። ነቢይ እግዚአብሔር ኤርሚያስ ነዚ ኣመልኪቱ ከም ይብል እግዚአብሔር ከምዚ ይብል አሎ፣ ኣብ ጐደናታት ደዉ ኢልኩም ተመልከቱ እቲ ጥንታዊ መገድታት እቲ ጽቡቕ ጐደና ኣየናይ ምዃኑ ሕተቱ እሞ ብእኡ ተመላለሱ ሽዑ ንነፍስኹም ዕረፍቲ ክትረኽቡ ኢኹም።(ኤር616) 
 
 ጐይታናና መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ድማ ኣብ መዋእለ ስብከቱ ከምዚ እናበለ መሃረና መንገድን ሓቅን ሕይወትን ኣነ እየ”(ዮሐ 146) ካብ መንገዲ እዚ ወጻኢ ዘሎ መንገዲ ግና ቅኑዕ እኳ እንተመሰለ መወዳእታኡ ግና መንገዲ ሞት ምዃኑ መጽሓፍ ቅዱስ ብኸምዚ ዚስዕብ ቃል የረድኣና ንሰብ ቅንዕቲ ትመስሎ መንገዲ ኣላ መወዳእታኣ ግና መገዲ ሞት እዩ።(ምሳ1412) ስለ’ዚ ኣብ ዓለም ሓንቲ ቅንዕቲ ካብ ኣምላኽ ዚተዋህበትን ናብ ኣምላኽ ድማ እተብጽሕን ሃይማኖት ጥራይ እያ ዘላ።
 
1.2.3 ሃይማኖት ብተስፋ ትርደኦ እዩ። ]
 
ሰብ ተስፋ እንተዘይብሉ ኣይኣምንን፣ እንተዘይኣሚኑ ከኣ ተስፋ የብሉን። ነዚ ድማ እዩ ሐዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ እምነት ግና ነቲ ተስፋ ዚግበሮ ነገር ርግጽ ምግባር፡ ናይቲ ዘይረአ ነገር ምርዳእ እያ።ዝብለና  (እብ 11÷1)
 
ሃይማኖት ንመጻኢ ተስፋ ንገብሮ ለዓለማዊ ይወትን መንግ ሰማያትን እነረጋግጸሉ መንገዲ እዩ ብተስፋ ንጽበዮም ነገራት ብዙሓት እዮም። ኣብዚ ዓለም ክንነብር ከለና ንእግዚአብሔር ረድኣና፡ ንስጋና ኾነ ንነፍስና፡ንስጋዊ (ኣብ ምድራዊ ሕይወትና) ኾነ መንፈሳዊ ህይወትና (ንመጻኢ ንሰማያዊ ሕይወትና) ክንደሊ ከለና ብጸሎት ጸሊና ንክፍጸሙልና ንጽበዮም ብተስፋ እዩ። ትጽቢት ኣብ እግዚአብሔር ዝገብር ሰብ፡ ኩሉ ግዜ ብተስፋ ይጽበዮ። እግዚአብሔር ተስፋናን ትምኒትናን ንምፍጻም ዝድን ኣምላኽ ኣይኾነን። ዋላ እኳ ንጽቡ ነገር ኢሉ እንተደንጐየ ግን ኣየትርፎን እዩ። ነቢይ እንባቆም አግዚአብሔር ብርግጽ ኪመጽእ ኣይኪድንጉን ድማ እዩ እሞ፡ እንተደንጎየ እኳ ተጸበዮ”(እን 23) ዚበለና ድማ ነዚ እዩ።
 
ንኣብነት፦ ኣቦና ሙሴ ዝጸለዮ (ንዝለሞኖ) ጸሎት ዝተዋህቦ ተስፋን  ኣብ (ዘጸ33÷18 -23)ንመልከት፡ ናይዚ ጸሎት እዚ መልሲ ግና ኣቦና ሙሴ ድሕሪ ነዊሕ ዓመታት ጐይታና ሰብ ኮይኑ ኣብ ዚመጸሉ ጊዜ ኣብ ደብረ ታቦር ተፈጸመ። (17÷3)

1.2.4 ሃይማኖት እግዚአብሔር ደስ ነብለሉ መንገዲዩ።
 
እምነት ዘለዎ ሰብ ንእግዚአብሔር ደስ የብሎ፡ ሃይማኖት ዘይብሉ ሰብ ግና ንኣምላኽ ደስ ከብሎ ኣይክእልን እዩ። ቅዱስ ጳውሎስ ነዚ ኣመልኪቱ፡ ብዘይ እምነት ግና ንኣምላኽ ስምርዎ ኣይከአልን (እብ116) ኪብል ጽሒፍልና ኣሎ።
እቲ ሓለቓ ሚእቲ ክብሪ ናይ ጐይታን ከሃሊነቱን ብምእማን ጐይታይ ኣነ ንስኻ ናብ ቤተይ ክትአቱ ኣይበቅዕን እየ እሞ ሓንቲ ቓል ጥራይ ደኣ በል ቈልዓይ ድማ ይሓዊ....” (ማቴ85-12)  ብምባል ብዘደንቕ ትሕትና እምነቱ ብምግላጽ ንክርስቶስ ብእምነቱ ደስ ኣቢልዎ እዩ። ስለ’ዚ ድማ እዩ ክርስቶስ ብከም’ዚ ዝስዕብ ቃል ሓጎሱ ዚገለጸ “ኢየሱስ ሰሚዑ ኣስተንከረ ነቶም ዚስዕብዎ ዘለዉ ድማ በሎም ከምዚ ዚበለት ዓባይ እምነት’ሲ ኣብ እስራኤል እኳ ከም ዘይረኸብኩ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ” (ማቴ 8፡10)
 
 ኣብ ካልእ ክፍሊ ውን  ሓንቲ 12 ኣመት ደም ዛሕ ዛሕ ዚብላ ዚነበረ ሰበይቲ፡ ብዘፈር ክዳነይ ከድሕነኹም እየኢሉ ከይመሃሮም ከሎ፡ ዘፈር ክዳኑ እንተሒዘዮ ክፍወስ እየበለት፣ ኢላ ኣይበለትን ብእምነት መንገዲ ብምጓዓዝ ድማ ዘፈር ክዳኑ ሓዘቶ እሞ ደሓነት። (ማቴ1436) እዛ ከም ዚበለት እምነት እያ እምበኣር ንእግዚአብሔር ደስ እተብሎ።

1.2.5  ሃይማኖት ንዘይንርእዮ እንርእየሉ ረቒቕ መሳሪሒዩ።
 
ሃይማኖት ሱቕ ኢልና በሎ፣ ተስፋ ንርደኦ፣ ብፍ ንገልጾ፣ ብስራሕ ንትርጉሞ እንተኾይንና ናብ ሓደ ነገር የብዓና ወይ የብጸሓና። ንሱ ከኣ ብርሕቀት ወይ ብርቀት ብዓይነ ሥጋ ንዘይረኣዩ ንምርኣይ የብቀዓና። ንገነት ብምርሓቓ፣ ንመላእኽቲ እግዚአብሔር ብምርቖም፣ 7 ሰማያት ከኣ ብምርሓምን ብምርቖምን ንዘለዉ ክንሪኦም ኣይንእልን ኢና። እንተኾነ ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዝገለጽናዮ ብመንገዲ እምነት እንድኣና፣ በዚ እምነትና ነዚኦምን ከምዚኦም ዝኣመሰ ነገራት፣ ፍጥረታት ርደኣና ዝኽእል መንገዲን ብኽንርድኦ እንኽእለሉ ዓይነት ክንርእዮ ንኽእል ኢና። ንምሳሌ ነቢይ እግዚአብሔር ኢሳይያስ ንእግዚአብሔር ከም ዚረኣዮ ከምዚ እናበለ ይዛረብ “በታ ንጉሥ ዖዝያ ዚሞተላ ዓመት ኣነ ንእግዚአብሔር ኣብ በሪኽን ልዕል ዚበለን ዙፋን ረኣኹዎ” (ኢሳ61)። ኣቦና ያእቆብ ውን ኣብ ፍኖተ ሎዛ ንእግዚአብሔር ብሕልሚ ርእይዎ እዩ። (ዘፍ2813) ሐዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ውን ነታ ብዓይነ ሥጋ ዘይትረአ ሰማይ ከም ዚረኣያ ከምዚ እናበለ ይገልጽ “እዚ ከምዚ ዚበለ ክሳብ ሳልሳይ ሰማይ ከም ዚተዘረፈ እፈልጥ ኣለኹ። (2 ቆሮ122-6) ኣብ 2ነገ 616-20)  ድማ ኤልሳዕን ኣገልጋሊኡን ነቲ ሓደ ናይ እስራኤል ኣምላኽ ብምእማን እኳ ሓደ እንተ ኾኑ ናይቲ ኣገልጋሊ እምነት ግና ከም ናይ ኤልሳዕ ምልእቲ እምነት ኣይነበረትን። ኤልሳዕ በታ ምልእቲ እምነቱ ኣቢሉ ኣብ ዙርያኡ ዘለዉ ቅዱሳን መላእኽቲ ኪርኢ እንከሎ፡ እቲ ኣገልጋሊ ግና ኤልሳዕ ብጸሎት ዓይነ ልቦናኡ ኪሳብ ዚኸፍተሉ ኣብ ዙርያኡ ንዚነበሩ ቅዱሳን መላእኽቲ ኪርኢ ኣይከኣለን። ነዚ ጎደሎ እምነቱ ብጸሎት ብጾምን ብስግደትን ከመሓይሾ እንተክኢሉ ግና መላእኽቲ ጥራይ ዘይኮነ ከም ናይ ኢሳይያስን ሕዝቅያስን ካልኦት ቅዱሳንን ንእግዚአብሔር ውን ኪርኢ ይኽእል እዩ። ሄኖክዉን ናብ ብሔረ ሕያዋን ንምኻድ ዝበ ብእምነት እዩ። እብ115

1.2.6 ሃይማኖት ብስራሕ ዝትርጎም እዩ።
ሃይማኖት ኣለኒ ዚብል እሞ ሰናይ ተግባር ዘይብሉ ክርስቲያን ምሉእ ክርስቲያን ኣይኮነን። ሃይማኖት ምእማንን ምትእምማንን ዚሓዘ እዩ። ምእማን ዚበሃል ንኣብነት ኣምላኽ ከም ዘሎ ምእማን እዩ፡ ምትእምማን ድማ እቲ ኣሎ ኢልካ ዚኣመንካዮ ኣምላኽ ዚእዝዘካ ዘበሉ ኵሉ ምግባር እዩ።

v ምእማን፣- ማለት ድማ ብዓይነ ስጋ ሪኢኻ፣ ብእዝነ ስጋ ሰሚዕካ፣ ብልቢ ሓሲብካ፣ ብስዒት ሕዋሳትካ ኣድሚጽካ ክምርመር ዘይከኣል፣ብርሕቀትን ብርቀትን ንዘሎ ነገር ይኸዉን እዩ፣ ክግበር እዩ ኢል ምእማንን ምቕባልን ማለት እዩ።
 
v ኣብነት፣- ጥምቀት ልድነት ስላሴ ከም ተዉህብ ዝረኣያ ዝዳህሰሳ የለን፣ ግን ተዉህብ እያ ኢል ባል ምእማን እዩ።
 
v ምትእምማን፣- ማለት ድማ ክኸዉን እዩ፣ ክግበር እዩ፣ ኢል ብምእማን ዝተበልካዮ ንኽኸዉን ንኽፍጸም ተግባራዊ ምላሽ ምሃብ ማለት እዩ።
 
ንኣብነት፣- ትርጉም ጥምቀት ልድነት ስላሴ ተዉህብ እያ ኢልካ ዝተበልካዮን ዝኣመንካዮን ብተግባር ምጥማቕ ምትእምማን እዩ። ስለዚ ሃይማኖት ክበሃል ከሎ: በዚ ኣብነት መሰረት ጥምቀት ውልድነት ከምተውህብ ምእማን ክኸዉን ከሎ፣ ብተግባር ምጥማ ከኣ ምትእምማን ማለት እዩ::

ኣባና ዚርአ ሓደ ዓቢ ጸገም ኣብ ምትእምማን ዘሎ ጸገም እዩ። እግዚአብሔር ከም ዘሎ እኣምን እየ ኢና ንብል፡ እግዚአብሔር ዝኣዘዘና ጾም ጸሎት ምጽዋት ስግደት ግና ኣይንፍጽምን። ብኣንጻሩ ኣብ ክንዲ ንጽሊ ንጻረፍን ንራገምን፡ ኣብ ክንዲ ንምጽውት ንሰርቕ፡ ኣብ ክንዲ ንጸውም ድማ ንሰክር። እሞ ኣበይ ድኣ ኣሎ እቲ እምነትና? ብምሥጢረ ክህነት ንኣምን ኢና ንብል፡ ኣበ ነፍሲ ግና የብልናን፡ ብምሥጢረ ንስሓ ንኣምን ኢና፡ ግን ኣይተነሳሕናን፡ ብምሥጢረ ቊርባን ንኣምን ኢና ግን ኣይቆረብናን ኣበይ ድኣ ኣላ እታ ምልእቲ እምነት? ስለ’ዚ ኣባና እታ እምነት ኣላ እታ ምትእምማንን ግን የላን እሞ ጐደሎና ኪንምልእ ይግበኣና። እንተዘይኮይኑ ግን ከም ኣይሁዳውያን ንስኻትኩም ደቂ ዲያብሎስ ኢኹም ዚብል ቃል ንዓና ውን ከረኻኽበልና እዩ።

ኣይሁዳውያን ንሕና ደቂ ኣብርሃም ኢና እናበሉ ይምክሑ ኔሮም፡ እዚ እናበሉ ግና ንጐይታ ኪቐትልዎ እምኒ ኣልዓሉ። እስኪ ሕሰብዎ ናይ ኣብርሃም ሃይማኖት ድኣ ብእምኒ ትቃተል ድያ? ስለ’ዚ ድማ እዩ ክርስቶስ ከምዚ እናበለ ዚገሰጾም “ንስኻትኩም ዘርኢ ኣብርሃም ምዃንኩም’ሲ እፈልጥ ኣለኹ፡ ቃለይ አባኻትኩም ስለ ዘይኣተወ ግና ኪትቀትሉኒ ትደልዩ ኣደለኹም…..ውሉድ ኣብርሃም እንተትኾኑ ግብሪ ኣብርሃም ምገበርኩም ኔርኩም…ንስኻትኩምሲ ግብሪ ኣቦኹም ድኣ ትገብሩ ኣለኹም በሎም…ንስኻትኩም ካብቲ ኣቦኹም ዲያብሎስ ኢኹም..” (የሐ 8፡33-46)

ስለ’ዚ እምነት ኣለና እናበልና ነቲ ዝኣመንናዮ ኣምላኽ መን መዃኑ ተሓቲትና ብዚግባእ ኪንምልስ ዘይንኽእል እንተኴንና፡ እቲ ናቱ ትእዛዝ ድማ ዘይንፍጽም እንተኴንና፡ ከመይ ኢልና ድኣ ኪንድሕን ንደሊ? ምኽንያቱ ሰብ ኪድሕን ማለት መንግሥተ ሰማያት ኪኣቱ እንተኮይኑ እምነት ምስ ሰናይ ምግባር ኣጣሚሩ ብምስራሕን ብጸጋ ኣምላኽን ድኣ እምበር ሃይማኖት ኣለኒ ብምባል ጥራይ ኣይኮነን። ብኣምላኽ ምእማን’ሲ ኣጋንንቲ ውን ይኣምኑ እዮም። ብዛዕባ’ዚ ቅዱስ ያዕቆብ ከምዚ ይብለና “ኣሕዋተየ ሰብ እምነት ኣላትኒ እንተበለ ግብሪ ግና እንተዘይትህልዎ እንታይ ትጠቕሞ? እዛ እምነት እዚኣ ዶ ከተድሕኖ ትኽእል እያ?....ንስኻ ኣምላኽ ሓደ በይኑ ምዃኑ ትኣምን ኣለኻ ጽቡቕ ገበርካ ኣጋንንቲ ውን ይኣምኑን ይንቅጥቀጡን እዮም…”(ያዕ 2፡14-ፍጻሜ ተመልከት)
ስለ’ዚ እምነት ንበይኑ ምስ ኣጋንንቲ ከየመድበካ ብሰናይ ምግባር ከተሰናዮ ጸዓር። ክርስቶስ ውን ኣብ ዳግማይ ምጽኣቱ ከከም ግብርና ድኣ እምበር ከከም ሃይማኖትና ኣይኮነን ዚፈርደና። ምኽንያቱ ንሱ ሓንቲ ሃይማኖት ስለ ዚመሥረተ ሓንቲ ሃይማኖት ጥራይ ድማ እዩ ዚፈልጥ። እቶም ኣብ’ዛ ሓንቲ ሃይማኖት ዘየለዉ ግና ከምቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚብሎም ድሮ ተፈሪድዎም ኣሎ። ብዛዕባ’ዚ ወንጌላዊ ቅዱስ ዮሐንስ ከምዚ ኪብል ጽሒፍልና ኣሎ “ዘይኣምን ግና ብስም ሓደ ወዲ ኣምላኽ ስለ ዘይኣመነ ድሮ ተፈሪድዎ ኣሎ”(ዮሐ 3፡18)። በዚ መሠረት ክርስቶስ ነቶም ኣብታ ንሱ ብደሙ ዚመሥረታ ንጽሕትን ርትዕትን እምነት ዘለዉ ደቁ ከከም ግብሮም ኪፈርዶም ኪመጽእ እዩ። ስለ’ዚ ድማ እዩ “ቀልጢፈ እመጽእ ኣለኹ፡ ንነፍሲ ወከፍ ከከም ግብሩ ኪፈድዮ ከኣ ዓስበይ ምሳኢ እዩ” ዚበለና።(ራእ 22፡12)

ኣብ’ዚ ከነስተውዕለሉ ዘለና ዋና ነገር እምበኣር ከከም ግብሩ ዚብላ ቃል ነቶም ኣብ ርትዕት ሃይማኖት ዘለዉ ድኣ እምበር ኵሉ ሃይማኖት ዘይብሉ ግን ከኣ ሰናይ ምግባር ስለ ዘለዎ ጥራይ መንግሥተ ሰማያት ይኣቱ ማለት ኣይኮነን። ሰብ ዚድሕን ቅኑዕ እምነትን ሰናይ ምግባርን እናገበረ ድኣ እምበር ብእምነት ጥራይ ወይ ብሰናይ ምግባር ጥራይ ከም ዘይኮነ ጐይታና ኣብቲ ብምስላ ዚመሃረሉ ትምህርቱ ኣረዲእና እዩ። እቲ ምስላ ናይ’ተን ዓሠርተ ደናግል ናይ’ዚ ትምህርቲ እዚ መረድኢ እዩ። እተን ሓሙሽተ ለባማት ቀንዴልን ዘይትን ሒዘን ነበራ። እተን ሓሙሽተ ዓያሱ ድማ ቀንዴል ጥራይ ድኣ እምበር ዘይቲ ኣይነበረንን። ኣብ’ዚ ምሳሌ እዚ እዘን ዓሠርተ ደናግል ናይታ ኣለምለኻዊት ሓንቲ ቅንዕቲ ቤተ ክርስቲያን ምሳሌ ኪኾና ከለዋ፡ እተን ሓሙሽተ ዘይቲ ዘይነበረን ዓያሱ ናይቶም ሃይማኖትና ቅኑዕ እዩ እናበሉ ዚሕበኑ ሰናይ ምግባር ማለት ጾም ጸሎት ስግደት ምጽዋት ትሕትና ሓድነት ፍቕሪ ሓልዮት ርህራሄ ግና ዘይብሎም ዓያሱ ኣመንቲ ምሳሌ እየን። ንሳተን ዘይቲ ከይሓዛ ደቂሰን ነበራ ይብል። ዘይቲ ከምቲ ኣቐዲምና ዚረኣናዩ ናይ ሰናይ ምግባር ምሳሌ እዩ። እዚኣተን ድማ ሰናይ ኣብ ክንዲ ዚሰርሓ ንሰናይ ደቂሰናሉ፡ ንፍቕሪ ደቂሰናሉ ንንስሓ ደቂሰናሉ ብኣንጻሩ ግና ኣብ’ቲ ፈጣሪ ዘይፈትዎን ከይንገብሮ ዘጠንቀቐናን ጓይላ ዝሙት ስቕራን ስርቂ ሓሶት ቅንኢ ባእሲ ምፍልላይን ተጸሚደን ከለዋ ብድቃስ ዚተመሰለ ሞት ኣርከበን። ብድሕሪ እዚ እቲ መርዓዊ ዚተመሰለ ጐይታ መጸ እሞ እተን ቀንዴልን ዘይትን ማለት ሃይማኖትን ምግባርን ሒዘን ዚጸንሓ ሓሙሽተ ለባማት ደናግል ተቐቢለንኦ ናብ ቤት መርዓ ኣተዋ። እተን ሓሙሽተ ዓያሱ ግና ዘይቲ ከምጽኣ ኢለን ምስ ከዳ ማዕጾ ተኣጽዩ ጸንሐን ይብለና። ስለ’ዚ ማዕጾ ድሕነት ኣፍ ደገ መንግሥተ ሰማያት ከይዕጸወና ሎሚ ከምተን ለባማት ቀንዴልናን ዘይትናን ኣወሃሂድና ከነብርህ ይግበኣና።(ማቴ 25፡1-13)

1 comment: