bieteelyas.blogspot.com ቤተ ኤልያስ

Tuesday 9 August 2016

ወበሳድስ ወርኅ ተፈነወ ገብርኤል መልኣክ…


ሰላም ክርስቶስ ምስ ኵልኹም ይኹን፡ ናይ ኣብሣሬ ትስብእት ቅዱስ ገብርኤል ቃል ሰሚዕኩም ኣብ እምነትኩም ብምጽናዕ፡ ድሕነት ዕርቅን ሰላምን ሓድነትን ካብ ኣርያም  ሃረር ኪትብሉ ዚጸናሕኩም ጽኑዓት ቅኑዓት ኦርቶዶክሳውያን ኣሕዋተይ፡ ደስ ኢልና እንቋዕ ደስ በለኩም። “ብርግጽ ኪመጽእ እዩ ኣይክድንጉን ድማ እዩ፡ እንተ ደንጎየ እኳ ተጸበዮ”(ዕን 2፡3) ዚብል ናይ ነቢይ እንባቆም ቃል ኣብ ግብሪ ዘውዓልኩም፡ ኦርቶዶክሳውያን ደጊም ሕጂ ጊዜ ምስጋና እዩ እሞ ነዚ ዚገበረ፡ ልዕሊ ዓቕምና ድማ ኪንፍተን ዘይገደፈና መፍቀሬ ሰብእ ክርስቶስ ኣምላኽና ክብርን ምስጋናን ነቕርበሉ።


ጽሑፈይ ቅዱስ ሉቃስ “ብሻዱሻይ ወርሒ ገብርኤል ዝተባህለ መልኣኽ ናብ ናዝሬት ትበሃል ዓዲ ገሊላ ናብ ሓንቲ ድንግል ካብ ኣምላኽ ተላእከ”(ሉቃ 1፡26-29) ኢሉ ዝጸሓፎ ቃል መሠረት ብምግባር እየ ጀሚረዮ። ንምንታይ እዩ ግን እግዚአብሔር ካብቶም እልፊ ኣእላፍት ዚኾኑ መላእኽቲ ንቅዱስ ገብርኤል ንድንግል ማርያም ከበስራ ዚመረጾ? ዚብል ሕቶ ኪለዓል ግድን እዩ። ነዚ ሕቶ እዚ ሊቃውንተ ቤተ ክርስቲያን ዚተፈላለየ ትርጓሜ ሂቦምሉ ኣለዉ፡ ኣብ’ዚ ግን ንኵሉ ኪንትንትኖ ኣገዳሲ ኣይኮነን። ነዚ ሒዝናዮ ዘለና ኣርእስቲ ብዝሰማማዕ ግን ሓደ ትርጓሜ ኪንሕዝ ኢና።

ቅዱስ ኤጲፋንዮስ ኣብ ዚጸሓፎ ኣክሲማሮስ ዚተባህለ ናይ ሥነ ፍጥረት መጽሓፉ፡ እግዚአብሔር ብዕለተ ሰንበት ንመላእኽቲ ፈጢሩ ተሰወሮም ይብለና። ሽዑ መን ፈጠረና ካበይ ከ መጻና ኢሎም ኪሓቱ ጀመሩ። ዲያብሎስ ድማ ኣነ ፈጠርኩኹም ኪብል ጀመረ። ኣብ’ዚ ጊዜ እዚ ኣብ ማኅበረ መላእክት ሕንፍሽፍሽ ኮነ “ወተሃውኩ ማኅበረ መላእክት” ከም ዚብል። እዚ ታሪኽ እዚ ኣብ ታሪኽ ቤተ ክርስቲያን ዚደጋገም ዚነበረን ዘሎን ዚነብርን እዩ፡ ቤተ ክርስቲያንና ድማ ኣካል ናይታ ሰማያዊት ቤተ ክርስቲያን ከም ምዃና መጠን፡ ውሉደ ዲያብሎስ (ተሃድሶ) ቆርበት በጊዕ ተኸዲኖም ሕዝቢ ኣየናይ እዩ እቲ ቅኑዕ መገዲ ምፍላጥ ኣሸጊርዎ ክሳዕ ዚመቓቐል ኪገብርዎ ጸኒሖም እዮም። ናብ’ታ ሰማያዊት ቤተ ክርስቲያን ንመለስ በቲ ጊዜ እቲ ቅዱስ ገብርኤል መልኣኽ ነቶም ዕግርግር ኣትይዎም ዚነበሩ መላእክት፡ “እገዚኣብር ኣምላኽና ክሳብ ንረኽቦ ኣብ ዘዘለናዮ ጸኒዕና ንቑም ኢሉ ኣረጋግእኦምወአህድአሙ መልአከ ሰላም ዘስሙ ገብርኤል ለሠራዊተ መላእክት በቃሉ፡  ወበእንተዝ ደለዎ ከመ ይፁር ዜናሃ ለማርያም”   ከም ዚብል። እግዚአብሔር ብቐጥታ መጺኡ ሓንቲ ሽልማት ኣርኣዮ ይብል። ንሳ ድማ ስእሊ ናይ እመቤትና ቅድስት ድንግል ማርያም እያ። ከም’ዚ ድማ በሎ ኣብ ዳሕራይ ዘመን ሰብ ንምድሓን ሥጋ ሰብ ተወሃሂደ ኪውለድ እየ፤ እታ ዚውለደላ ድንግል ድማ እዚኣ እያ፡ ነዚ ንኵሎም ደቂ ሰባት ብሥራት ዚኾነ ዜና ድማ ንስኻ ከተብጽሕ ካብ ዓለመ መላእኽቲ ተመሪጽካ ኣለኻ ብምባል ነዚ ዓቢይ ክብሪ ከም ዚተዋህበ ድርሳነ ራጉኤል ይነግረና።
ቅዱስ ኤፍሬም ውን ነዚ ሒዙ ኣብ ውዳሴ ማርያም ናይ ረቡዕ “ዓቢይ ውእቱ ዘተውህበ ለከ ኦ ገብርኤል መልአክ ዜናዊ ፍሡሐ ገጽ ሰበከ ለነ ልደተ እግዚእ ዘመጽአ ኀቤነ ወአብሠርካ ለማርያም ድንግል ዘእንበለ ርስሓት ወትቤላ ተፈሥሒ ኦ ምልእተ ጸጋ”
ስለ’ዚ እቶም ከም ቅዱስ ገብርኤል ንሕዝብኹምን ንደቅኹምን ብትዕግስቲ ኣብ እምነቶም ጸኒዖም ኪጽበዩን ንሓድነት ኪቃለሱን ከተተባብዑ ዚጸናሕኩም ኣቦታት ኣሕዋት ኵላትኩም እዚ ዓቢይ ብስራት ናይ ኣቦና ሰሚዕኩም ደስ ኢልኩም ከም ዘሎ ፍሉጥ እዩ። ሎሚ ንዓኹም ናይ ሽልማት ዕለት እዩ፡ እዚ ሽልማት እዚ ድማ ነቲ ብሕጂ ዚጽበየኩም ዘሎ ሽልማት ናይ መንግሥተ ሰማያት ዕርቡን እዩ እሞ እንቋዕ ደስ በለኩም።

ገብርኤል ኪሽለም ከሎ ዝጉሂ ግን ኣሎ። ንሱ ድማ ሰላምን ዕርቅን ዘበሳጭዎ መናፍቕነትን ምፍልላይን እንተሎ ተሓጕሱ ዚሓድር ሳጥናኤል። ኣብ’ቲ ቀዳማይ ናይ ዓለመ መላእኽቲ ውግእ ሚካኤልን መላእኽቱን ነቲ ናይ መጀመርያ መናፍቕ ንሰይጣን ካብ ሰማይ ምስ ኣውረድዎ (ራእ 12፡7) ንሱ ንታሕቲ እናወረደ ኪመጽእ ከሎ ሰማይ እናረሓቖ ከደ ይብል። ኣብ’ዚ ጊዜ እዚ ነቶም ተኸቲሎሞ ዚወድቁ ዚነበሩ መላእኽቲ ዚተዛረቦም ቃል ኔራ “ጎየ እግዚእ ምስለ አርያሙ” ትብል ቃል። ትርጉሙ “እግዚአብሔር ሰማዩ ጠቕሊሉ ካባይ ኪሃድም ከሎ ረኣይዎ” እናበለ ሓሶት ተተሓሓዞ። እዚ ዚምህረና እንታይ እዩ እንተ በልና፡ ዲያብሎስ ፍጹም ስዕረቱ ዘይኣምን ተዋጋኢ እዩ። ተሳዒርና ከይብላስ ይግባይ ይብላ ከም ዚበሃል ሕጂ ድማ ናይ ዲያብሎስ ናይ ግብሪ ደቁ ነዚ ቃል እዚ ኪደግምዎ ንሰምዖም ኣለና። 


ኣነ ነዞም ሰባት እዚኣቶም ዚኸውን መግለጺ የብለይን ነቢይ ኤርምያስ “ፈወስናሃ ለባቢሎን ወኢተፈወሰት….” ንባቢሎን ኪንፍውሳ ፈተንና ንሳ ግን ኣይተፈወሰትን፡ ስለ’ዚ ሕደግዋ ንዑናይ ነፍሲ ወከፍና ናብ ሃገርና ንኺድ” (ኤር 51፡6-12) ዚበሎ ቃል ምድጋም ግን ኣገዳሲ እዩ። ሰለሞን ውን “እቲ ብዙሕ ጊዜ ተገሲጹ ክሳዱ ዘትርር ሰብ ብድንገት ይጭፍለቕ፡ መድሃኒት ውን የብሉን” ክብል ነዚ ናይ ኤርምያስ ቃል ደጊምዎ ኣሎ። ምሳ 29፡1 ስለ’ዚ ኣነ ዚብል እቶም ክሳብ ሕጂ ብምትላል ሓቂ መሲልኩም ትኽተልዎም ዚነበርኩም እግዚአብሔር ነዚ ተኣምር እዚ ምእንታኹም ውን ከም ዚፈጸሞ ኮይኑ ይስምዓኒ፡ ስለ’ዚ ንሳቶም ከም ትርእይዎም ዘለኹም ዚፍወሱ ኣይኮኑን፡ እሞ ምስ ኤርምያስ ባቢሎን ገዲፍኩም ናብ ኢሩሳሌም ሃገርኩም ናይ ምግስጋስ ሰዓት እዚኣ እያ ዚብል ሕውነታዊ ምኽረይ  ይልግሰልኩም።

እግዚአብሔር ኣጽራረ ቤተ ክርስቲያን የህድኣልና
ሓድነቱን ሰላሙን የውርደልና

ጾምና ናይ በረኸት ጾም ይግበረልና ኣሜን

4 comments:

  1. ቃል ሂወት የስምዓልና። ነዚ ክትምግበና ዝደከምካ፡ ድካምካ ድካም ቅዱሳን ይግበረልካ።

    ReplyDelete
  2. ቃል ሂወት የስምዓልና። ነዚ ክትምግበና ዝደከምካ፡ ድካምካ ድካም ቅዱሳን ይግበረልካ።

    ReplyDelete
  3. ቃለ ሕይወት የስምዕካ ክቡር ሓውና። ንመጻኢ ከኣ ዝይዳ ዝዓሞቐን ዝሰፍሓን ንጽበ።

    ReplyDelete
  4. ቃለ ሕይወት የስምዕካ። ናይ ብሓቂ ሓፂር፡ ዓሚቕ ጽፉፍ መግለጺ።

    ReplyDelete