bieteelyas.blogspot.com ቤተ ኤልያስ

Friday 30 September 2016

ናይ ተሃድሶ ታሪኽ 10ይ ክፋል

......ሕጂ ግና ናትና ልብን እዝንን ጌና ኣይተስተኻኸለን ዘሎ፡ መዝሙር ካብ ደርፊ ፈልዩ ክፈልጥውን ኣይከኣለን ዘሎ። ቋንቋና ኹሉ እኮ ተሓዋዊሱ እዩ። ትዝክሩ ዶ ቅዱስ ጴጥሮስ ሓዊ ክስሕን ኢሉ ምስ ቀረበ፡ እታ ኣብ ቤተ መንግሥቲ ዚነበረት ሠራሕተኛ መጺኣ “ንስኻ ናይቲ ክርስቶስ ዝበሃል ወደ መዝሙር ኢኻ ምሽ?” ምስ በለቶ፡ ኣይኮንኩን ኢሉ መለሰላ። ንሳ ግና “ንስኻ ወደ መዝሙሩ ኢኻ ዘረባኻ የፍልጠካ ኣሎ፡ ኣዘራርባኻ ናይ ሐዋርያት ኣዘራርባ እዩ” በለቶ። ሎሚ ውን ኣዘራርባና ዅሉ ካብ ፕሮቴስታንት ብፍጹም ዝፍለ ኣይኮነን። ወልድ ዋሕድ ኢልካ ምዝራብ እኳ ሎሚ ነውሪ ኾይኑ እዩ። ድንግል ማርያም እግዝእትነ ማርያም ኢልካ ምዝራብ እኳ ሎሚ ተሪፉ እዩ። ኢየሱስ ጐይታ እዩ ኢልና ካብ ንዛረበሉ ዘመን እኳ ሓሊፍና ኢና፡ ገለ ገሌና ኣብ ቤተ ክርስቲያንና ኢየሱስ ጐይታ እዩ ተባሂሉ ከም ናይ ፕሮቴስታንት ስለ ዘይተደጋገመ ወንጌል ዘይተሰበኸ ኮይኑ ዚስመዓና ሰባት ኣለና። ቤተ ክርስቲያንና ግና ኢየሱስ ጐይታ እዩ ካብ ምባል ሓሊፋ ደረጃኡ ተሳጊራ፡ ኣምለከ አማልክት፡ እግዚአ አጋእዝት፡ ወንጉሠ ነገሥት /ናይ ኣማልኽቲ ኣምላኽ፡ ናይ ጐይቶት ጐይታ፡ ናይ ነገሥታት ንጉሥ/ ኢላ እያ ብኽብሪ ትጽውዖ። እሞ ኸ ደኣ ኣየናይ ይበልጽ፡ ኢየሱስ ጐይታ እዩ ምባል ዶ ወይ ናይ ጐይቶት ጐይታ ምባል?

ውዳሴ ማርያም ምድጋም ወንጌል ዘይተሰበኸ ኮይኑ ዝስምዖም ሰባት እኳ ኣለዉ። ውዳሴ ማርያም ጽቡቕ ጌርኩም ምስ ትምርምርዎ ግና 63% ብዛዕባ ኢሱስ ክርስቶስ እዩ ዝዛረብ። ብዛዕባ ድንግል ማርያም 37% ሚእታዊት ጥራይ እዩ ውዳሴ ማርያም ዝዛረብ። ገና ኪጅምር ከሎ “ፈቀደ እግዚእ ያግዕዞ ለኣዳም ኅዙነ ወትኩዘ ልብ ወያግብኦ ኀበ ዘትካት መንበሩ ሰአሊ ለነ ቅድስት” ጐይታ ነቲ ኅዙንን ጉሁይ ልብን ኣዳም ናጻ ከውጽኦን ናብቲ ናይ ጥንቲ መንበሩ ክመልሶን ፈቐደ ኦ ቅድስት ለምንልና ብምባል እዩ ዝጅምር። እሞ እዚ ድዩ ወንጌል ኣይኮነን ዝበሃል? “ንሔዋን ነታ ተመን ዘስሓታ እግዚአብሔር ንሕማምክን ንጻዕርኽን ኣዝየ ከብዝሖ እየ እናበለ ኣብ ልዕሊኣ ምስ ፈረደ ልቡ ናብ ፍቕሪ ሰብ ስለ ዝሰመረ ናጻ ኣውጽኣ ኦ ቅድስት ለምንልና” ይብል፡፤ እሞ እዚ ኸ ወንጌል ኣይኮነን ድዩ? ካብዚ ንላዕሊ ወንጌል እንታይ ክኸውን ኢና ንደልዮ?

ኣቦታትና ሊቃውንት ሓደ ዝምስልዎ ምስላ ኣሎ፦ ሓረስታይ ንዘዕበዮ ብዕራይ ንዕዳጋ ሒዝዎ ይወርድ። እንዳ ሥጋ ድኳን ዘለዎም ድማ ነቲ ብዕራይ ገዚኦም ሓሪዶም ኣዋራሪዶም ብዓብን ብንእሽተይን ከፋፊሎም ኣብቲ እንዳ ሥጋ ይሰቕልዎ። ሰብ ሞያ ኣዴታት ድማ ከይደን ካብዚ ቁረጸለይ ኢለን ገዚአን ይወስዳ። ብድኅሪዚ ኣብ ቤት መግቢ ድማ ዝግኒ ጥብሲ ክትፎ ዝልዝል እናበሉ ይኸፋፍልዎ። ንሕና ድማ ኬድና ንበልዖ። ሕጂ እዚ ዝበላዕናዮ እቲ ካብ ሓረስታይ ዚተገዝአ ብዕራይ ድዩ ዋላስ ኣይኮነን? ሰባኺ ይሓትት፡ ሕዝቢ ድማ ብሕበረት “ንሱ እምበር” ኢሎም ይምልሱ። በሉ ፕሮቴስታንትን ተሃድሶን ሲ “ነቲ ብዓራይ ብደዉ ኸሎ ቆሪጽኩም እንተ ዘይበሊዕኩሞ፡ ሥጋ ከም ዝበላዕኩም ኣይሕሰብን እዩ እዮም ዝብሉ ዘለዉ። ንሕና ድማ ግደፉና እንዶ በጃኹም ክትፎና ዝግንና ጥብስና ክንበልዕ፡ ጥብሲ ንበሎ፡ ክትፎ ንበሎ፡ ዝግኒ ንበሎ፡ ዝልዝል ንበሎ፡ ኵሉ ንሱ እቲ ብዕራይ እዩ።

ጐይታና ንሐዋርያት ወንጌልን መልእኽትን እናበለ ኣይመሃሮምን፡ ንሱ ትምህርቲ እዩ ዝመሃረ። እቲ ትምህርቲ እዩ እምበኣር ብዕራይ ንብሎ ዘለና። ሐዋርያት ግና ነቲ መልእኽቲ መልእኽቲ ነቲ ወንጌል ወንጌል ነቲ ራእይ ራእይ እናበሉ፡ ከፋፊሎም ኣቐመጡልና። ሊቃውንት ድማ ከምተን ሰብ ሞያ ኣንስቲ ነዚ ሥጋ እዚ ወሲዶም፡ እዚ ምሥጢረ ሥላሴ እዩ፡ እዚ ምሥጢረ ሥጋዌ እዩ… እዚ ቅዳሴ እዩ፡ እዚ ሰዐታት እዩ፡ እዚ ድጓ እዩ እናበሉ፡ ጥብስን ክትፎን እናገበሩ ኣቕረቡልና። እሞ ሕጂ ንሕና ሥጋ ኣይበላዕናን ዲና ክንበሃል? ድጓ ወንጌል ኣይኮነን ድዩ? ምሥጢራተ ቤተ ክርስቲያን ክንመሃር ከለና ወንጌል ኣይኮነን ድዩ? ብምባል ሰባኺ ደጋጊሙ ንዝሓተቶ ሕቶ፡ ምእመናን ብሓንቲ ቃል ወንጌል እምበር ብምባል ይምልሱ። በሉ እዚ እዩ ከረዳድኣና ዘይከኣለ። ሊቃውንት ንወንጌል ኣመቓቒሮም እዮም ኣቕሪቦምልና። ንኣብነት ኣነ ሓደ ብዕራይ ኣብዚ ቅድሜኹም ኣምጺአ ብልዑ እንተ ዝብለኩም፡ እቲ ብዕራይ ክወግኣኩም እንተ ዘይኮይኑ ክትበልዑዎ ኣይትኽእሉን ኢኹም። ንሳቶም ግና ንወንጌል ከም ዝብላዕ ጌሮም እዮም ኣቕሪቦምልና። ጐይታና ንሐዋርያት ወንጌል ከጽሕፎም ከሎ፡ -“ማቴዎስ ንስኻ ወንጌል 27 ምዕራፍ ዘለዎ ጌርካ ጽሓፍ፡ ሉቃስ ካብ 24  ከይተሕልፍ፡ ማርቆስ 16 ግበሮ፡ ጳውሎስ 14 መልእኽቲ ጽሓፍ፡ ዮሐንስ 5 መጻሕፍቲ ይኣኽለካ፡ ይሁዳ ድማ ሓንቲ መልእኽቲ ትኣኽለካ እያ እናበለ ኣይኮነን ምሂሩዎም። ንሱ ትምህርቲ ጥራይ እዩ ምሂሩዎም። ንሳቶም ግና ከም ዝኸውን ጌሮም ኣቐመጥዎ። ብድሕሪኦም ዝመጽኡ ሊቃውንት ድማ፡ እዚ ተግሣፅ እዩ፡ እዚ ምኽሪ እዩ፡ እዚ መልእኽቲ እዩ። እዚ ቅኔ እዩ፡ እዚ መዝሙር እዩ እናበሉ ኣቐመጡዎ.....ይቕጽል

Wednesday 28 September 2016

ቅዱስ ዮሐንስ አፈወርቅ ሕይወቱን ትምህርቱን 4ይ ክፋል


ኣብ መወዳእታ ቅዱስ ዮሐንስ አፈወርቅ ኣብ መበል 21 ክፋል ስብከቱ ጳጳስ ፍላቭያን ካብ ንጉሥ ቴዎዶስዮስ ምሕረት ሒዙ ከም ዝመጸ ንሕዝቢ ኣበሰረ። ኣብቲ መድረኽ ድማ ናብ ንጉሥ ዚተላእኸ ናይ ልመና ደብዳቤ ኣንበበሎም። እዚ ደብዳቤዚ ንጉሥ ቴዎዶስዮስ ከም ዝነብዕ ዝገበረ ደብዳቤ ኾይኑ ኣብቲ ናይ ምርቓቕ ሥራሑ ናይ ቅዱስ ዮሐንስ አፈወርቅ ኢድ ዘለዎ ይመስል። እቲ ተፈጢሩ ዚነበረ ሽግር ኣብ ናይ ቅዱስ ዮሐንስ ናይ ምምሃር መሥርሕ ወሳኒ ተራ ነበሮ። ኣብቲ ኣጨናቒ ኩነታት ካብኣቶም ከይተፈልየ ስለ ዘጸናንዖምን ስለ ዝመሃሮምን እቶም ሕዝቢ ንቅዱስ ዮሐንስ አፈወርቅ ናይ ልቦናኦም ኣፍ ደገ ክሳዕ መወዳእታ ዝኸፈቱሉን ብድኅርዚ ዝኾነ ነገር እንተበሎም፡ ነቲ ዝበሎም ኵሉ ንምቕባል ልቦም ንዕኡ ልስሉስ መሬት ዝኾነሉን ኩነታት ነበረ። 

ንድኻታት ምጽዋት ምሃብን ንሽጉራት ምዝካርን ከም ዝግባእ ኣትሪሩ ይምህር ነበረ። ብዛዕባ ናይ ድኻታት መንፈሳውን ንዋታውን ነገራት ብጣዕሚ ይሓስብን ዝከኣሎ ዘበለ ዅሉ ይገብርን ነበረ። ሃብትን ሥልጣንን ጸግዒ (ደገፍ) ብምግባር ንዝፍጸሙ ግፍዕታት ኣጥቢቑ የወግዝ ነበረ። ድኻ ክግፋዕ ምስ ዝርኢ ካብቲ ዝተገፍዐ ድኻ ንላዕሊ ኮይኑ ብምሕዛንን ብምቑርቋርን፡ ነቲ ግፍዒ ዝፈጸመ መንነቱ ብዘየገድስ ይግሥፆ፡ ነቲ ዝወሰዶ ንኽመልስን ዝሠርሖ ጌጋ ፈሊጡ ካብ ክፉእ ግብሩ ንክምለስን ድማ ይመኽሮ ነበረ። እዞም ካብ 386-398 ዚነበሩ ዓመታት ቅዱስ ዮሐንስ አፈወርቅ ወንጌል ኣብ ምምሃር መዳይ ዓቢይ ሥራሕ ዚሠርሓሎም፡ ክሳዕ ሎሚ ዘለዉ ኣዝዮም ብጣዕሚ ፍቱዋት ዝኾኑ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ትርጓሜያትን ካልኦት ተዛመድቲ ሥራሓት ዚሠርሓሎም ወርቃውያን ጊዜያት ነበሩ።

ናይ ሕይወቱ ቅድስናን ናይ ትምህርቱ ተፈታውነት ዝጸበቐን ዝሰመረን ውህደት ፈጠሩ። ካብ ዝኾነ  ጊዜ ንላዕሊ ዋላ ሓደ ክወዳደሮ ብዘይከኣል ኩነታት ብጣዕሚ ስብከቱ ናይ ቤተ ክርስቲያን ናይ ስብከት ኣደባባይ ኣማዕረገ። ብሓፈሻ ኣብ ኣንጾኪያ ዚነበሮም ዓመታት ብዙሕ ሥራሕ ዚሠርሓሎምን ኣብ ሕይወቱ ሕጉስ ዚነበረሎም ጊዜያት ነበሩ ክበሃል ይከኣል። ብዙኃት ናይ ቅዱሳት መጻሕፍቲ ናይ ትርጓሜ ሥራሓትን ዚተፈላለዩ ጽሑፋትን ዚሠርሖም ካብ ናይ ዲቁና ጊዜኡ ጀሚሩ ኣብ ኣንጾኪያ ኣብ ዚነበረሎም ኣብ ውሽጢ እዞም 16-17 ዓመታት እዩ።

ናይ ኣንጾኪያ ቤተ ክርስቲያን ዚነበረትሉ ኩነታት

ናይ ኣንጾኪያ ቤተ ክርስቲያን ንሰማንያን ሓሙሽተን ዓመታት ዝኣክል (ካብ 330-415 ዓ.ም) ብኑፋቔን ብምፍልላይን ትሕመስ ነበረት። ኣርዮሳውያን እቶም ቀንዲ ሕማም ርእሲ ዝነበሩ ክኾኑ ኸለዉ፡ ኦርቶዶክሳውያን ንባዕሎም ውን ኣብ ክልተ ተመቒሎም ነበሩ። ናይዚ ሽግር መበገሲኡ እንታይ ነበረ?

 ካብቶም ብ325 ዓ.ም ኣብ ኒቅያ ዚተጋብኡን ንኣርዮስን ኣርዮሳውነትን ካብ ዘወገዙን ናይቲ ጉባኤ መራሕቲ ካብ ዚነበሩን ሓደ ናይ ኣንጾኪያ ጳጳስ ኤዎስጣቴዎስ ነበረ። ንሱ ንኣርዮሳውያን ብቓልን ብጽሑፍን ዝዋግኦም ዚነበረ ናይ ቅዱስ ኣትናቴዎስ ሓጋዝን ኃያል ኦርቶዶክሳውን ኣቦ ነበረ። እንተ ኾነ ግና ድሕሪ ጉባኤ ኒቅያ ድሕሪ ቁሩብ ጊዜ ኣርዮሳውያን ናይ መንግሥቲ ደገፍ እናረኸቡ ስለ ዝኸዱ፡ ነቶም ኦርቶዶክሳውያን ኣቦታት ብሰበብ እናመኻነዩ ካብ መንበሮም ከሳድድዎም ከለዉ፡ ኤዎስጣቴዎስውን እዚ ዕጫዚ በጺሕዎ ብ330 ዓ.ም ብትእዛዝ ንጉሥ ቆስጠንጢኖስ ናይ ኣንጾኪያ መንበር ከም ዝገድፍ ተገብረ። ኣብ ልዕሊ እቲ ዘኽብርዎን ዝፈትዉዎን ኣቦኦም ብዝተገብረ ግፍዒ፡ ናይ ኣንጾኪያ ምእመናን ኵናት ክሳዕ ምልዓል በጺሖም እኳ እንተ ነበሩ፡ ንሱ ግና ነዚ ገዲፎም ኣብ ኦርቶዶክሳዊ እምነቶም ጥራይ ክጸንዑ መኺርዎም ምስ ብዙኀት ካህናት ብጸጥታ ናብ ስደቱ ከደ። ናቱ ተኸተልቲ ኣብ ኣንጾኪያ “ኤዎስጣቴዎሳውያን” ተባሂሎም ብምፍላይ፡ ብኣርዮሳውያን ንዝተሾሙ ጳጳሳት ኣይንቕበልን ኢሎም ጸንሑ።
 ኣብ ጊዜ ኤዎስጣቴዎስ ኣንጾኪያ ቀንዲ ናይ ኦርቶዶክሳውነት መነሃርያ ኮነት። እንተ ኾነ ግና ንሱ ምስ ተሰደደ ኣብ ቦታኡ ዚተተክኡ ኣርዮሳዊ ዝምባለ ዝነበሮምን ሓደ ሓደ ድማ ብግልጺ ኣርዮሳውያን እናኾኑን መጽኡ። ኣብቲ ቤተ ክርስቲያን ምስ ኣርዮሳውያን ኣብ ከቢድ ቃልሲ ዚነበረትሉ ጊዜ፡ ከም ሃይማኖት ናይቶም ዝሽየሙ ሰባትን ከም ድጋፍ ናይ ነገሥታትን ኣብ መንበር ናይ ኣንጾኪያ ቀቀልጢፍካ ምውራድን ምድያብን ይርአ ነበረ። ኤዎስጣቴዎስ ኣብ ስደት ከሎ ድሕሪ ሙማቱ ብ360 ዓ.ም ጉባኤ ተጌሩ ብስምምዕ ናይ ኵላቶም  መላጥዮስ ንናይ ኣንጾኪያ መንበር ክመርሕ ንሱ ኣብ ዘይብሉ ተመርጸ። መላጥዮስ ቅኑዕን ንጹሕን ዝኾነ ጽኑዕ ሃይማኖታዊ ኣቦ ነበረ። እቲ ሓድሽ ዝተሾመ መላጥዮስ ናይ ሕዝቢ ኣኽብሮትን ፍቕርን ረኸበ። ናይ መጻኢ ቅዱስ ዮሐንስ ኣፈወርቅን ቅዱስ ጎርጎርዮስ ዘእንዚናንዙ ቅዱስ ጎርጎርዮስ ዘኑሲስ ቅዱስ ባስልዮስ ዘቂሣርያን ኵላቶም የኽብርዎን የመስግንዎን ነበሩ። እቶም ብስም ኤዎስጣቴዎስ ዝጽውዑ ግና፡ መላጥዮስ ብስምምዕ ድኅሪ ምምራጹውን ከምቲ ዝቐደመ ኣይንቕበልን ብምባል ብዝተፈለየ ጉጅለኦም ቀጸሉ።

ኣርዮሳዊ ዚነበረ ንጉሥ ቁንስጣ ብዙኀት ጳጳሳት ንኽርከቡ ብምዕዳም፡ ኣብ ኣንጾኪያ ዓቢይ ጉባኤ ብምድላው መላጥዮስ ከም ዝምህር ገበረ። እዚ ድማ ንመላጥዮስ ንምፍታን ኢሉ እዩ። ጳጳስ መላጥዮስ ድማ ዓሚቚ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ፍልጠት ከም ዘለዎ ንጹር ኮይኑ ብዝተራእየሉ ኩነታት ኦርቶዶክሳዊ እምነቱ መስከረ። እቶም ሕዝቢ ድማ ብትምህርቱ እሞ ኸኣ ነቲ ኣርዮሳዊ ንጉሥ ከይፈርሐ ኦርቶዶክሳዊ ሃይማኖቱ ብምምስካሩ ኣዝዮም ተሓጎሱ። ኣርዮሳውያን ግና ንዕኡ ንምብቃል ጊዜ ኣይወሰደሎምን። ኣርዮሳዊ ንጉሥ ቁንስጣ ሰበብ ደልዩ ነቲ ገና ኣብ መንበሩ እኳ ሓደ ወርሒ ዘይተቐመጠ ጳጳስ መላጥዮስ ኦርቶዶክሳዊ ብምዃኑ ጥራይ ኣሳደዶ። እዚ ናይ መላጥዮስ ስደት ነቲ ኣብ መንጎ ናይ ኣንጾኪያ ኦርቶዶክስ ቤተ ክርስቲያን ንነዊሕ ጊዜ ዝጸንሐ ምፍልላይ ምኽንያት ኮይኑ ነበረ። ጳውሊኖስ ዚተባህለ ካህን ንኤውስጣቴዎሳውያን ክመርሕ ከሎ፡ ፍላቭያንን ዳያድርስን ድማ ናይቲ ኣብ ስደት ዚነበረ ናይ መላጥዮስ መጓሰ ይሕልዉ ነበሩ።

ኣብ ኣንጾኪያ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ቤተ ሰብ ሓደ ብስም መላጥዮስ ይስየም ነበረ። ምስሉ ድማ ኣብ ናይ ኣጻብዕቲ ቀለቤትን ኣብ መንደቕ ናይ ገዛን  ወዘተ ይሠኣል ነበረ። ድኅሪ ቁሩብ ኣዋርሕ ንጉሥ ቁንስጣ ብሃንደበት ምስ ሞተ፡ ንዕኡ ተኪኡ ዚነገሠ ንጉሥ ጁልያን ነቲ ናይ ቁንስጣ ናይ ስደት ኣዋጅ ብምስዓር እቶም ዚተሰደዱ ኣቦታት ነናብ መንበሮም ከም ዝምለሱ ገበረ። መላጥዮስ ድማ ናብ ናይ ኣንጾኪያ መንበሩ ተመልሰ። እንተ ኾነ ግና ብምኽንያት እቲ ተፈጢሩ ዚጸንሖ ምፍልላይ እቶም ኩነታት ኣሸገርቲ ኮይኖም ረኸቦም። ኣብ 362 ዓ.ም ናይ እስክንድርያ ጉባኤ ነቲ ፍልልይ ንምእላይን ዕርቂ ንምፍጣርን እኳ እንተ ፈተነ ኪቐንዖ ግና ኣይከኣለን። ክልቲኦም ወገናት ካብቲ ሒዞምዎ ዘለዉ መርገጺ ፈልከት ዘይብሉ ኮኑ። ንኽልቲኦም ወገናት ንምትዕራቕ ይፍትኑ ናይ ዝነበሩ ሰባት ኣፍልጦ ምስኣንን ዘየድሊ ድፍኢት ምልዓልን እቲ ፍልልይ መመሊሱ ገፍሐ፡ ናይ ሰላምን ናይ ሓድነትን ተስፋ ድማ እናረሓቐ ከደ። ብናይ ኵላቶም ስምምዕ ዚተመረጸ ጳጳስ መላጥዮስ ክሳዕ ዝምለስ ካብ ምጽባይ፡ ንተደጋጋሚ ሕቶታቶም ኢድ ብምሃብ፡ መላጥዮስ ኣብ ስደት ኣብ ዝነበረሉ ካግሊያሪ ዚተባህለ ምስ ክልተ ካልኦት ብምዃን፡ ነቲ ንናይ ኤዎስጣቴዎሳውያን ጉጅለ መራሒ ዚነበረ ንጳውሊኖስ ጳጳስ ጌሩ ሾሞ። እዚ ጥንቃቐ ዝጎደሎ መሥርሕ ብጣዕሚ ዘሕዝን ነበረ፡ ምኽንያቱ ነቲ ፍልልይ ካብቲ ዘለዎ ደረጃ ብዝኸፍአ ብምግዳድ መፍትሒኡ መመሊሱ ሸናኸሮ።

መላጥዮስ ሕጂውን በቲ ኣቐዲሙ ባዕሉ ካብ ስደት መሊስዎ ዚነበረ ከሓድን ቀንዲ ጠበቓ ናይ ኣምልኾ ጣዖትን ዝነበረ ብንጉሥ ጁልያን (361-363 ዓ.ም) ደጊሙ ተሰደ።.....ይቕጽል

Monday 26 September 2016

መስቀል ዘንጠልጠሉ ናይ መስቀል ጸላእቲ


በስመአብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ፩ዱ አምላክ አሜን! እንቋዕ ናብ ክቡር በዓለ መስቀል ናይ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ብሰላም ኣብጸሓና ርሑስ ኣወድኣመት ድማ ይግበረልና::
 መስቀል ኣብ ክሳድና ኣብ ኢድና ኣብ ገዛና ኣብ ሥራሕና ናይ ጸሎት ክፍልናን እነንጠልጥለሉ ነብሱ ዝኸኣለ መንፈሳዊ ትርጉምን ጥቕምን በረኸትን እኳ እንተ ሃለዎ፡ ኵሉ መስቀል ዘንጠልጥል ናይ መስቀል መንፈሳዊ ትርጉም ዝተረድአን ንኽብሪ መስቀልን እዩ ዘንጠልጥሎ ክትብል ግን ኣየድፍረካን እዩ። ምኽንያቱ ሓደ ሓደ ሰባት መስቀል ከም መጋየጺ ወይ ውን ኩሉ ሰብ ስለ ዝገበሮ ከም ፋሽን ዝገብርዎ ኣለዉ፡ ኣብ ገሊኡ ድማ ብግልጺ ሥራሕ ናይ ዲያብሎስ ዝግለጸሉ መስቀል ኣብ ዘይትእሰሮን ዘይትስቆሮን ዘይትሰኣሎን ቦታ የለን፡ ገሌና ድማ ብልምዲ ጥራይ ኣብ ገዛና ኣብ ኢድና ወይ ኣብ ክሳድና እነንጠልጥሎ ሰባት ኣለና። 


መስቀል ግን ንክርስቲያን እንታይ እዩ?

መስቀል እኮ “ሰላም” እዩ። “ንሱ ነዞም ክልተስ ሓደ ዝገበረ፡ ነቲ ኣብ መንጎ ዝነበረ ኸልካሊ ቐጽሪውን ዘፍረሰ፡ ሰላምና እዩ /ኤፌ 2፡14/። እሞ’ኸ ድኣ ሎሚ ኣብ ክሳድናን ኣብ ገዛናን መስቀል ኣንጠልጢልና ኣብ ኣእዳውና ነዚ ናይ ሰላም ምልክት ዝኾነ መስቀል ጨቢጥና “ሰላም ለኵልኩሙ” እናበልና “ሰላም ናይ ውሽጥና ዝተዘርገ” ምስ ሰበይትናን ምስ ሰብኣይናን ሰላም ዘይብልና፡ ምስ ኣቦናን ኣዴናን ኣሕዋትናን ደቅናን ዝነበረት ናይ ሰላም ገመድ ዝበተኽና፡ ኣብ ከባቢና ናይ ዕግርግርን ባእስን መናኸስቲ ዝኾንና ሰባት መሰቀል ምእሳርናስ ንኽብሪ ድዩ ዋላስ ንሓሳር? ጸላእቲ መስቀል ወይስ መፍቀርቲ መስቀል? መስቀል እንታይ ድዩ? መስቀል እኮ ዕርቂ እዩ “ብመስቀሉውን ነቲ ጽልኢ ብእኡ ቐቲሉ፡ ንኽልቲኦም ብሓደ ስጋ ምስ ኣምላኽ ኣተዓረቖም። /ኤፌ 2፡16/። ሕጂ ውን ኣብ ገዛና መስቀል ኣሎ ኣብ ክሳድና ውን መስቀል ኣሎ ምስ በዓል/ቲ ቤትና ተባኢስና ክዓርቁና ዝመጹ ካህን ውን መስቀል ሒዞም ኣለዉ ንዕርቂ ዝኸውን ልቢ ግን ወይከ! ካበይ ይምጻእ? እሞ ንሕናስ ኣሲርናዮ ዘለና መስቀል ጸላእቱ ዲና ዋላስ ፈተውቱ? መስቀል “ዕርቂ” ክነሱ ዕርቂ እናጸላእኩ ንመስቀል የፍቅር እየ ኢልካ ዓሻ ጠበቓ ሒዝካ ምስ ሕልናኻ ምክርኻር ኣየዐውትን እዩ። መስቀል ኣሲርካ ይቕረ ዘየብለካስ እንታይ እዩ? ኣዚኻ ስለ ዝተበደልካ ዲኻ? ብርግጽ ማንም ዓይነት በደል ምስቲ ኣል ልዕሊ’ቲ ኣንጠልጢልካዮ ዘለኻ መስቀል ከይኑ ዝግረፍ ዝጽረፍ ጡፍ ዝበሃለሉን ዝኽትከትን ዝነበረ ክርስቶስ ጐይታኻ/ኺ ዝወረዶ በደል ክነጻጸር እንከሎ ከንቱ እዩ። ንሱ ግን ከምዚ ናትካ ተበዲለ እየ ተገሪፈ እየ ተጸሪፈ እየ እሞ ንሶም ይቕረ በለልና ይበሉኒ ኣይበለን። 

ኣታ ኸንቱ ሰብ እሞ ንስኻ ድኣ ካብ ኣምላኽካ ትበልጽ ዲኻ? ወይስ እዚ እኮ እዩ እቲ ምስ ኣቡኡ ኣዲኡ የሕዋቱ ሰበይቱ መሳርሕቱ ኣይዕረቕን ዝበለ ክርስቲያን እናተባሃልካ ስም ኣምላኽካን ነቲ ናይ ዕርቂ ምልክት ዝኾነ መስቀል ከተጽርፍ ኢኻ ተንጠልጥሎ ዘለኻ? እስኪ በዚ ክቡር በዓል ንነብስኻ ከምዚ ኢልካ ሕተታ ”ንስኺስ ፈታዊት መስቀል ዲኺ ወይስ መስቀል ዘንጠልጠልኪ ጸላኢት ናይ መስቀል?” እዋእ እንታይ ድዩ እዚ መስቀል? መስቀል! መስቀል ድኣ “ሓድነት” እዩ። "ንሱ ነዞም ክልተስ ሓደ ዝገበረ፡ ነቲ ኣብ መንጎ ዝነበረ ኸልካሊ ቐጽሪውን ዘፍረሰ፡ ሰላምና እዩ " /ኤፌ 2፡14/ ። በዚ መስቀል እዚ ህዝብን ኣህዛብን (ዝተገዝሩን ዘይተገዝሩን) ሰብን መላእኽትን ሰባት ምስ እግዚኣብሔር ሓደ ኮይኖም እዮም። እሞ ንስኻ ድኣ ኣንታ ምሥጢር ሓድነት ሰብኣይን ሰበይትን ዝኾብለለካ ኩቡር ሓወይ ኣብ ጊዜ ቃል ኪዳን ጨቢጥካ  "ሓሚማ መኺና ሰኒፋ....ኢለ ከይገድፋ ኣብ ቅድሚ እግዚአብሔር ኣብ ቀድሚ ካህኑን ...እምሕል ኣለኹ እናበልካ ዝመሓልካላ መስቀል ዘክር እሞ ሓደ ልቢ ንምዃን ጽዓር፡ ኣብታ ኩለንትናኣ ብመስቀል ዝወቀበትን ኣብ መስቀል ዝፈሰሰ ክቡር ደምን ዝተቖርሰ ቅዱስ ሥጋኡን ንኹሉ ክትዕድል ዝተሠርሐት ቤት ብዓደይ ዓድኻ ብሩባን ብኹርባን ብቛንቋን ብዘርእን ብኣውራጃን እትፈላሊ መስቀል ድኣ ካበይ ሸሚትካያ? ናይ ሓድነት ምልክት ዝኾነ መስቀል ኣንጠልጢልካ ናይ ጳወሎስ ናይ ኣጵሎስ እናበልካ እትፈላሊ’ስ ትርጉም መስቀል ተገልቢጥካ ኣሎ’ሞ በጃኻ በዛ ክብርቲ ዕለት ኣስተኻኺልካ ተኸደኖ! 
መዓስ እዚ ጥራይ መስቀል “መከራ” እዩ። “መስቀሉ ኣልዒሉ ደድሕረይ ዘይስዕብ ንኣይ ኣይበቅዕን። እቲ ንህይወቱ ዚረኽባ ኼጥፍኣ እዩ፡ እቲ ንህይወቱ ምእንታይ ዜጥፍኣ ከኣ ኪረኽባ እዩ" /ማቴ 1፡38-39/።

 ፈተና ናይ ሓዳር በርቲዑኒ ድኽነት ኣይከኣልኩን መኻንነት ኣይሓሰብክዎን ጠባዩ ተቐያያሪ ኮይኑ ወዘ..ተ እናበልኪ ቃል ኪዳንካኪ እተፍርሲ እታ ኣብ ጊዜ ቃል ኪዳን ዝጨበጥክያ መስቀል እኮ ትርጉማ “መከራ” ዝብል እዩ ኔሩ። እወ ዝመጸ እንተ መጸኒ ንስለ ክርስቶስ ክብል “ኃይሊ ብዝህበኒ ብክርስቶስ ኵሉ ክኽእሎ እየ” እናበልኩ ክሓልፎ እየ ኢልኪ ዝመሓልክሉ መስቀል በዚ ሎሚ መዓልቲ ዘክክርዮ እሞ ማዕረ ክንደይ ከም ዘዋረድክዮን ትርጉሙ ከም ዝረሳዕክዮን ፈሊጥኪ ተመለሲ። እስኪ መልሱለይ! መስቀል ተሰኪምካ ዶ ፈተና ቤተ ክርስቲያን በርቲዕኒ ኢልካ ቅዳሴን ዝማሬን ይግደፍ እዩ? መስቀል ኣንጠልጢልካ’ዶ ኸ ቤተ ክርስቲያን ንምዕናው ብሓሜትን ብነቐፌታን ሥርዓታን ኣቦታታን ብምቅላል ትስልበጣ ኢኻ? መስቀል ኣንጠልጢልካስ ትጽረፍ ትስጎግ ትእሰር ትስየፍ እምበር ብኣንጻሩ? መስቀል ጨቢጥካ’ዶ ኸ ኣበይ ኣሎ ጽቡቕ ዝብልዖ ብዙሕ ዝኽፈሎ እናበልካ ጸበል ንምንጻግ ሃብታምን ድኻን ትፈላሊ ኢኻ? ከም’ዚ ትገብር እንተ ድኣ ሃሊኻ ብሓቂ ንስኻ “መስቀል ዝጨበጠ ጸረ መስቀል” ኢኻ። 

መስቀል እኮ እዚ ጥራይ ኣይኮነን፡ ትርጉሙስ ዘርዚርካ ኣይውዳእን እዩ። የግዳስ ዓቕምና ድሩትን ውሱንን ስለ ዝኾነ ንዅሉ ብዝጠምር ቋንቋ መስቀል “ፍቕሪ” ኢዩ ብምባል ክንዛዝሞ። "ብእኡ ዚኣምን ኵሉ ናይ ዘለዓለም ሕይወት ምእንቲ ኺረክብ እምበር፡ ከይጠፍእሲ፡ ከምቲ ሙሴ ኣብ በረኻ ተመን ዝሰቐለ፡ ከምኡ ድማ ወዲ ሰብ ክስቀል ይግባእ እዩ። ኣምላኽ በቲ ሓደ ወዱ ዝኣመነ ዅሉ ናይ ዘለኣለም ሕይወት ምእንቲ ኺረክብ እምበር፡ ከይጠፍእሲ፡ ንወዱ በጃ ኽሳዕ ዚህብ፡ ክሳዕ ክንድዚ ንዓለም ኣፍቀራ" /ዮሐ 3፡14-16/። ኣብ መስቀል ዝተፈጸመ ፍቕሪ መጠን ኣልቦ ፍቕሪ እዩ። በዚ ድማ ኢና መስቀል ፍቕሪ እዩ ዝበልና። መስቀል ኣንጠልጢልና ልብና ብጽልኢ ዝጸለመን ዝሰበበን፡ ከምዚ ኢልና ድማ ብትእምርተ መስቀል ኣማዕቲብና ጸሎት እንጅምር፡ ምስ መንፈሳውያን የሕዋትና ተጻሊእና መስቀል ዝተሰለመ ልብሰ መዘምራን ለቢስና በቲ ጸሊም “ልብና መስቀል ኃይልነ መስቀል ጽንእነ መስቀል ተስፋነ…..” እናበልና እንዝምር፡ ደጊምና ውን ልብና ናይ ጽልኢ ኣዳራሽ (ናይ ዲያብሎስ ቤተ መንግሥቲ) ክነሱ ነቲ ምእንቲ ፍቕሪ ዝፈሰሰ ደም ጐይታ ብጸሊም ልብና ብድፍረት ብዕርፈ መስቀል ጌርና እነቐብል፡ እዋእ እንታይ ድኣ ኢና ወደይ ንሕና? ኣፍቀርቲ መስቀል ዋላስ “መስቀል ዘንጠልጠሉ ብዛዕባ መስቀል ዝዝምሩን ስለ ክብሪ መስቀል ዝምህሩን ትርጉም መስቀል ዝጠፍኦም ናይ መስቀል ጸላእቲ ኢና?”

እቶም ብምኽንያት በዓል መስቀል “ዓቢ ለይታዊ ትልሂት” ኢልና ነዋዓውዕን፡ ነዚ መዋዓውዒ ተኸቲልና ኣብ ግብሪ ንምውዓል በዚ ክቡር በዓል ብዝሙትን ብስኽራንን ብጓይላን ብዳንኬራን ብባእስን ዕግርግርን እነሕልፎኸ ምስ ምንታይ ንቆጸር? ምልክት መስቀል ዘለዎ ኽዳን ምኽዳን መስቀል ምእሳርን’ሲ ጽቡቕ ኔሩ። ንዕኡ ተኸዲንካ ምስካርን ኣብ ፈቐዶ ለይታዊ ትልሂታት ምሕዳርን ኣብ ስርቅን ቅትለትን ምርካብን’ግን ክብሪ መስቀል ምቕንጣጥ እምበር መስቀል ምኽባር ኣይኮነን። እምበኣረከስ መስቀል ምንጥልጣል ጥራይ ዘይነ ትርጉሙ ፈሊጥና ክንኣስሮን በረኸት ክንረኽበሉ ከም ዝግበኣና ክንመላለስን ብመስቀሉ ዝዓደገና ናይ ፍቕሪ ኣምላኽ በዚ ክቡር ዕለት እዚ ይዕድመና ኣሎ እሞ ሃየ ኣብ ክሳድናን ገዛናን ዘሎ መስቀል ብመንፈሳዊ ትርጉሙ ክንጥቀመሉ ንበራበር።

ምስጋና ንእግዚአብሔር ንወላዲቱ ድንግልን ንመስቀሉ ክቡርን ንዘለዓለመ ዓለም ይኹን ኣሜን!!!

Friday 23 September 2016

ታሪኽ ናይ ተሃድሶ 9ይ ክፋል



….እዚ ናይ ቤተ ክርስቲያን ትምህርቲ ድዩ? ግሸን ክንከይድ ከለና ከምዚ ዲና ተማሂርና?! ኣይኮንናን!  ኣወዳት ዘይኣትውዎም ገዳማት ኣለዉ፡ ደቂ ኣንስትዮ ዘይኣትዋኦም ገዳማትውን ኣለዉ። ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ናይ ኢትዮጵያ ንደቂ ኣንስትዮ ጥራይ ዚተፈቐዱ ደቂ ተባዕትዮ ዘይኣትዉዎም ገደማት ኣለዉ።..ናይ ደቂ ተባዕትዮ ገዳም ድማ ደቂ ኣንስትዮ ኣይኣትዋኦን እየን። ኣብ ከምዚ ዝበለ ቦታ ድማ ግዘት ኣሎ ቃል ኪዳን ውን ኣሎ፡ ከምዚ ኢልካ ምምሃር ሓደ ነገር እዩ። ንሳቶም ግና ሰባት ነቲ ሥርዓት ከም ዘቃልልዎን ከም ዝንዕግዎን ንምግባር ዝጥቀሙሉ ሓደ ሜላ እዚ እዩ። ኣብ መዝሙሮም ኣብ ስብከቶምን መጽሔቶምን ነንብቦ ዘለናውን እዚ እዩ። ኣቐድም ኣቢሉ መምህር ዘመድኩኝ ዝነገረና ሓደ ነገር ኔሩ፡ “ናትና ኣቦታት ሳንቲም ሓጨል ክብል ተሰሚዖም ይትንሥኡ፡ ወንጌል ክድወል ምስ ዝሰምዑ ድማ ይድቅሱ” ዝብል ትምህርቲ ተሰሚዑ ኣሎ፡ ናይ ብሓቂ ግና ኣቦታትና ሳንቲም ሓጨል ክብል ሰሚዖም ዚነቕሑ፡ ወንጌል ክድወል ሰሚዖም ዝድቅሱ ኣቦታት ድዮም? ኣይኮኑን። እዚ ኵሉ ጸለመ ግና ሕዝቢ ንኣቦታት ከም ዝንዕቕን ከም ዘቃልልን ንምግባር ዝጥቀሙሉ ሜላ እዩ። ሕጂ ናይ መወዳእታ ንቤተ ክርስቲያን ንምስዓር ዚተወሰደ ሜላ እምበኣር እዚ እዩ፡ ምቅላል።

ስለዚ ምርስሳዕ 1ይ ሜላ እዩ
ምቅላል 2ይ ሜላ እዩ
ሣልሳይ ሜላ ድማ ልክዕ ኣብ ናይ ኣርመንያ ቤተ ክርስቲያን ከም ዚተገበረ፡ ሕዝቢ ካብ ቤተ ክርስቲያን ከም ዝወጽእ ምግባር እዩ። እግዚአብሔር ነዛ ቤተ ክርስቲያን እዚኣ ተኸላኺሉ ደኣ ኣትሪፉልና እምበር እዚ ናይ ኣዳራሽ ጉባኤ ቀጺሉ እንተ ዝኸውን ንሕናውን ሎሚ ኣብዚ ዘለናዮ ቀጽሪ ቤተ ክርስቲያን ኣይምተረኸብናን ኔርና። ንሕና ኣብዚ ዓውደ ምሕረት እዚ ምርካብና እኮ ብዙኅ ጥቕሚ እዩ ዘለዎ። ካልእሲ ይትረፍ ኣብ ጉባኤ ኣብ ትምህርቲ ኣብ ቅዳሴ ናይ ኣጋንንት መንፈስ ዚነበሮም ሰባት ኣብ ቀጽሪ ቤተ ክርስቲያን ክበጽሑ ኸለዉ ክጭድሩ ዶ ሰሚዕኩም ትፈልጡ? እወ ንሰምዕ፡ እሞ እዚ ኣብ ኣዳራሽ ይስማዕ ድዩ? ኣይስማዕን እዩ። ምኽንያቱ ኣብዚ ናብ ታቦት ዝወርድ ጸጋ መንፈስ ቅዱስ ኣሎ፡ ኣብ ኣዳራሽ ግና እዚ መንፈስ እዚ የልቦን። ናብዚ ክንመጽእ ከለና መንደቕ ተሳሊምና ኢና ንኣቱ፡ ኣብኡ ግና ምስላም የልቦን። ኣብዚ ምጽዋት ለጊስና ኢና ንምለስ ኣብ ኣዳራሽ ግና እዚ የልቦን። ኣብዚ ክንኣቱ ኸለና ቤተ ክርስቲያን ተኸፊቱ ኣብ ቅድሚ ሥዕሊ ኴንና ንጽሊ ኣብ ኣዳራሽ ግና እዚ የልቦን። ነዚ ኵሉ ነገራት እናቃለሉ ሰብ ካብ ቤተ ክርስቲያን ከም ዝርሕቕ ይገብሩዎ። ብፍላይ ድማ ንሕፃናትን መንእሰያትን፡ ኣነ ናታትኩም ናይዞም ዓበይቲ ኣቦታትን ኣዴታትን ኣይኮነን ዘሕስበኒ ዘሎ፡ ምኽንያቱ ንስኻትኩም ናይ ቤተ ክርስቲያን ትምህርቲ ተማሂርኩም ኢኹም፡ ናይ ቤተ ክርስቲያን ታሪኽ ተማሂርኩም ኢኹም፡ እናዘርኩምውን ንዅሉ ተዓዚብኩምዎ ኢኹም።

ሕፃናት ንኣሽቱ ደቅና ናብ ቤተ ክርስቲያን ኣምጺእና መስቀል ካህናት እንተዘይ ኣሳሊምኖዮም፡ ቤተ ክርስቲያን ኣምጺእና ዕጣን ናይ ቤተ መቕደስ ከም ዝሽትቶም እንተ ዘይጌርና፡ ቤተ ክርስቲያን ኣምጺእናዮም ንቅዱሳን ሥዕላት ፈልዮም እንተ ዘይፈሊጦም፡ ቤተ ክርስቲያን ኣምጺእናዮም ኣብ ቅድሚ ታቦት እንተ ዘይሰጊዶም፡ ቤተ ክርስቲያን መጺኦም ንዙርያኣ ከቢሞም ማዕጾኣ እንተ ዘይተሳሊሞም፡ ካብ መን ደኣ ክመሃሩ እዮም? እዞም ቆልዑ እዚኦም ካብ ሕፃንነቶም ኣዳራሽ ለሚዶም ኣብ ኣዳራሽ እንተተረፉ ተሓተትቲ ንሕና ዶ ኣይኮንናን ኢና? እዚ እዩ እምበኣር ናይ ዘመንና ዓቢይ ፈተና። 

ፕሮቴስታንት ኳሕኵሖም ኳሕኵሖም ኣይከኣሉን፡ እስማዔላውያን (እስላም) ሓሪዶም ኣቃጺሎም ኣይከኣሉን፡ ኣብ መወዳእታ ሰይጣን ካብ ውሽጢ ሰባት ኣተንሥአ። ..ነዚ ኵልና ሕጂ መዝሙር ኢልና ንሰምዖ ዘለና ንዝተወሰነ ዓመታት ደው ኣቢልና፡ ከምዚ ኣቐዲሞም ኣቦና ከዚሙልና ዚጸንሑ ያሬዳዊ መዝሙር እንተ ንሰምዕሞ እንተ ንስተኻኸል ከመይ ጽቡቕ ኔሩ። …..ይቕጽል

Wednesday 21 September 2016

ናይ ቅዱስ ዮሐንስ አፈወርቅ ሕይወቱን ትምህርቱን 3ይ ክፋል

3. ቅዱስ ዮሐንስ ኣፈወርቅ ኣብ ገዳም (374-381)

ኣዲኡ ምስ ዓረፈት ናብቲ ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ናይ ኣንጾኪያ ዘሎ ጎቦ ብምኻድ፡ ኣብቲ ኣብኡ ዚነበረ ገዳም ምስ መነኮሳት ምምባር ጀመረ። ምስ ማኅበረ መነኮሳት ድማ ኣርባዕተ ዓመት ብጾምን ብጸሎትን ርእስኻ ብምግዛእን ኣብ መንፈሳዊ ተጋድሎ ነበረ። ሲሲኮስ ምስ ዚበሃል ኣረጋዊ መነኮስ ኮይኑ ገዳማዊ ሕይወትን መንፈሳዊ ተጋድሎን ምስ’ዚ ኣቦ እዚ ክለማመድ ጸንሐ። እቲ ኣረጋዊ ኣቦ (ሲሲኮስ) ድማ ብዙሕ ኣምላኻዊ ራእያት ይርእይ ነበረ። እዚ ኣቦ እዚ ሓደ ለይቲ ብራእይ ሐዋርያ ቅዱስ ዮሐንስ ወንጌል፡ቅዱስ ጴጥሮስ ድማ መፍትሕ ንቅዱስ ዮሐንስ አፈወርቅ ክህብዎ ረኣየ። በዚ ድማ ናይ መጻኢ ዕብየቱ ተረድአ። ቅዱስ ዮሐንስ አፈወርቅ፡ ርእሱ ካብዛ ዓለም ጽቡቕ ጌሩ ንምስዋርን፡ በይኑ ተዓጽዩ ምምባርን ስለ ዝደለየ፡ ናብ በዓቲ ኣትዩ ክልተ ዓመት ብብሕትውና ነበረ። ኣብኡ ድማ ንጸሎት ለይቲ ለይቲ ብምትጋህ ንርእሱ ድቃስ ብምኽላእ፡ ደው ኢሉ ኣብ ምጽላይን ቅዱሳት መጻሕፍቲ ብቓሉ ኣብ ምጽናዕን ኣብ ጸሎትን ተዘክሮን ነበረ።

ገዳማዊ ሕይወት “ሓቀኛ ፍልስፍና እዩ” ይብሎ ነበረ። ኣብተን ኣብ ገዳም ዝነበረለን ዓመታት ካብ 374-381 ናይ ገዳማዊ ሕይወትን ድንግልናዊ ሕይወትን ዕብየትን ጥቕምን ዚገልጹ መጻሕፍቲ ጸሓፈ። ከምኡ ውን ነቲ ካብ ቀደም ጀሚሩ ወዲ መማህርቱን ዓርኩን ዝነበረን፡ ገዳማዊ ሕይወት ድሕሪ ምምራጹ፡ መሊሱ ብምኽንያት ሓንቲ ሰበይቲ ዚተሰናኸለ ቴዎድሮስ ምኽርን ተግሣፅን ዝጸሓፈሉ ውን ኣብዚ ጊዜ እዚ እዩ። ብ373 ዓ.ም ንጉሥ ቫሌንስ ገዳማዊ ሕይወት ንምጥፋእ፡ መነኮሳት ገዳማቶምን ምንኩስናኦምን ገዲፎም ወተሃደራት ወይ ድማ ናይ መንግሥቲ ሠራሕተኛታት ንኽኾኑ፡ ኣዋጅ ኣብ ዝኣወጀሉ ጊዜ፡ ነቶም ንገዳማዊ ሕይወት ዝቃወሙ መልሲ ዝሓዙ ሠለስተ መጻሕፍቲ ጸሓፈ። ቅዱስ ዮሐንስ አፈወርቅ ነዚ ኣዋጅ እዚ “ካብ ኵሉ ዝኸፍአ ኣዋጅ” በሎ

2. ቅዱስ ዮሐንስ አፈወርቅ ዲያቆን፡ ካህንን ሰባኽን ኣብ ኣንጾኪያ (381-397) ዓ.ም

ደው ኢልካ ብምጽላይን ንናይ ለይቲ ዛሕሊ ርእስኻ ብምግላጽ፡ ለይቲ ንጸሎት ብምትጋህ ንመጽሓፍ ቅዱስ ብቓል ኣብ ምጽናዕን ብሓፈሻ ካብ ብዝሒ ከቢድ ዝኾነ ትሕርምትን ተጋድሎን ዝተላዕለ ሰብነቱ ኣዝዩ ተጎድአ። ትሕርምቱን ተጋድሎኡን ናይ ሰብ ኣካላትን ተፈጥሮን ክሽከሞ ካብ ዝኽእሎ ንላዕሊ ስለ ዝኾነ፡ ናይ ውሽጢ ክፍሊ ኣካላቱ ካብ ጥቕሚ ወጻኢ ክሳዕ ምዃን በጽሑ። ሕይወቱ ኣብ ኣተሓሳሳቢ ደረጃ ብምብጽሑ ዋላ ሓንቲ ኺገብር ስለ ዘይከኣለ ድማ ናብ ኣንጾኪያ ተመልሰ። “እዚ ድማ ናይ እግዚአብሔር ሥራሕ እዩ”፡ ይብል ጳላድዮስ፡ “እግዚአብሔር ንጥቕሚ ቤተ ክርስቲያን መታን ክኸውን ብምኽንያት ሕማም ናይ ብሕትውና በዓቱ ገዲፉ ናብ ኣንጺኪያ ከም ዝመጽእ ገበሮ።” እዚ ናይ ብሕትውና ሕይወቱ ድማ ኣብቲ ዚተረፈ ዘመኑ፡ ኣብ ሕይወቱ ሓደ ቀዋሚ ዝኾነ መንፈሳዊ ኣሰር ገዲፉ እዩ። ናብ ውሽጡ ውን ሰንጢቑ ኣተወ።

ብድኅርዚ ጳጳስ መላጥዮስ ብቕጽበት ብ381 ዓ.ም መጀመርታ ዲቁና ሾሞ። ኣብዚ ድማ ናይ ጥዕናኡ ኩነታት ብዝፈቕደሉ መጠን ከምቲ ኣብ ገዳም ዚነብሮ ዚነበረ ናይ ትሕርምቲ ሕይወት ነበረ። ናይ ዲቁና ጊዜኡ ነቲ ንመጻኢ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ዝህልዎ ተራ ዘርኢ ነበረ። እግዚአብሔር ንዘዳለወሉ ሥራሕን ተግባርን ድሉው ነበረ። “ናይ መንእሰይ ናይ ቤተ ክርስቲያን ቅንኣትን ፍቕርን ካብ ውሽጡ ይወጽእ ነበረ። ኣዝዩ ዓሚቚን ረቂቕን ትምህርቲ ተማሂሩ እዩ። ኩለንትናኡ ንእግዚአብሔር ብምቕናእ ዝተመልአ ነበረ”። ከም ዲያቆንነቱ ኣብ ኣገልግሎት ቅዳሴ ብምትሕግጋዝ፡ ሕሙማትን ድኻታትን ብምንክብኻብ፡ ከምኡ ውን ናብ ክርስትና ንምእታውን ንምጥማቕን ኣብ ምድላው ንዝነበሩ ንኡሰ ክርስቲያን ኣብ ምምሃር ይሳተፍ ነበረ። ናይ ዲቁና ጊዜኡ ናይ ሕዝቢ ሽግርን ድሌታትን ከምኡ ውን ሕሙማትን ድኻታትን ዘድልዮም ምንክብኻብን ሓገዝን እንታይ ከም ዝኾነ፡ ንምፍላጥ ጽቡቕ ዕድል ፈጠረሉ።

ብ386 ዓ.ም ጳጳስ ፍላቭያን ቅስና ሾሞ። ኣብ ናይ ቤተ ክርስቲያን ናይ ሕይወት ጉዕዞን ታሪኽን ወሳኒ ምዕራፍ ዝጀመረ ድማ ብፍላይ ካብዚ ጊዜ ጀሚሩ እዩ ኔሩ። ኣብ ዝቕጽሉ 12 ዓመታት ቀንዲ ሥራሑ ምምሃር (ስብከት) እዩ ኔሩ።

ቅስና ምስ ተቐበለ ናይ መጀመርታ ስብከቱ ጳጳስ ኣብ ዘለዎ ብዙሕ ሕዝቢ ኣብ ዝተኣከቡዎ፡ ደስ ብዘብል ኣዘራርባ ርእሱ ብቑዕ ዘይምዃኑ ብምግላጽ ብትሕትና መሃረ። ካብዚ ጊዜ እዚ ጀሚሩ ዝተረፈ ሕይወቱ፡ ምሉእ ዘመን ሕይወቱ ናብ ዝሃበሉ ናብ ናይ ቤተ ክርስቲያን ኣገልግሎት ናብ ናይ ምምሃር ሥራሑ ተዋፈረ። እቲ ደው ኢሉ ዝሰብከሉ ቦታ ዚተፈተወ ዝፋኑ ነበረ። በቲ ምቁር ዝኾነ ትምህርቱ ናይ ኣንጾኪያ ቤተ ክርስቲያን ከተብርህ ጀመረት። ዓሚቚን ደስ ዘብልን ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ትምህርቱን፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ትምህርቱ ብዛዕባ ክርስቲያናዊ ሥነ ምግባር ዝምህሮ ትምህርትን ተሰሚዑ ዘይጽገብ ፍቱው ነበረ። ኣብ ኵለን ናይ ኣንጾኪያ ኣብያተ ክርስቲያናት ዋላ ውን ኣብ ገጠራት ከይተረፈ እናተዘዋወረ፡ ናይ ሰማዕታት ዕለተ ዕረፍቲ ኪኸውን ከሎ ድማ ዓጽሞም ኣብ ዚዓረፈሉን ብስሞም ኣብያተ ክርስቲያናት ኣብ ዚተሃነፀሉን ቦታታት ሰማዕትነት ኣብ ዝተቐበሉሉ ዕለት (ኣብ ናይ መዘከርታ በዓሎም) ተረኺቡ ይምህር ነበረ። መብዛሕትኡ ጊዜ ግና ብቆስጠንጢኖስ ከም ዚተሃነፀ፡ ኣመሠራርታኡ ግና ኣብ ዘመነ ሐዋርያት ከም ዝኾነ ኣብ ዝንገረሉ ዓቢይ ቤተ ክርስቲያን እዩ ዝምህር ኔሩ። መብዛሕትኡ ጊዜ ሰንበት ሰንበት እዩ ዝምህር። ኣብ ጾመ ኢሱስ (ጾመ ኣርብዓ) ግና መዓልቲ መዓልቲ ይሰብኽ ነበረ።

ኣብ ጾመ ኢሱስ ናይ ክርስቲያናት ተግባር ሓላፍነት ብዝምልከት ብስፍሓትን ብዕምቆትን ብተኸታታሊ ይምህር ነበረ። ኣብቲ ሕብረተ ሰብ ንዝነበረ ብልሽው ሥነ ምግባር ከይሓፈረን ከይፈርሐን ገሠፀ። ኣብ ዘመኑ ዝነበረ ትያትር ዝረኣየሎም ቦታታት ናይ ኣፍራስ ቅድድምን ብዙሕ ብልሽውና ዝተመልአ አረሜናዊ ተግባር ዝረኣየሎም ናይ ዝተፈላለዩ ምርኢታት ከንቱነት ደጋጊሙ ኣበርቲዑ ኣረድአ። ካብቶም ክርስቲያን ዝበሃሉ ውን ከም ኣይሁድን ከም ኣረሜናውያንን ናይ ቤተ ክርስቲያን ትምህርቲ ገዲፎም ናብቶም ናይ ምርኢት ቦታታት ይኸዱ ነበሩ። ብትምህርታቱ ውን ኣብታ ኸተማ ንዝነበሩ ኣሕዛባዊ ልምድታትን ኣረሜናዊ ተግባር ዝረኣየሎምን ብዙሕ ኣነዋሪ ነገራት ዝተመልኡ ትያትራት፡ ናይ ኣፍራስ ቅድድም ንዝኣመሰሉ ብኃይልን ብትርን ይቃወም ነበረ። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰሉ ተግባራት ንዝሳተፉ ክርስቲያን ድማ ከምዚ ዚስዕብ እናበለ ይወቕሶም ነበረ፦


 “ካብዚኣቶም (ካብዞም ክርስቲያን) ንሓደ፡ ኣሞጽ ወይ ኣብድዩ መን እዩ? ወይ ሐዋርያት ወይ ነብያት ክንደይ ኔሮም? ኢልኩም ምስ ትሓትዎም፡ ዓባሳት ክመስሉ ትም ምበሉ፡ እንተ ኾነ ግና ብዛዕባ ኣፍራስ ወይ ተቐዳደምቲ ወይ ብዛዕባ ካልኦት ምርኢት ዘቐርቡ ወይ ብዛዕባ ተወዳደርቲ እንተ ትሓትዎም፡ ካብቶም ናይ ዘረባ ጥበብ ዚተማህሩ ብዘይንእስ ኣገላልጻ ብጥንቃቐን ብስምዒትን ኮይኖም እዮም ዝምልሱ።” 

ነውርን ነቐፋን ዘይብሉ ዚተቐደሰ ሕይወቱ ንስብከቱ ኃይልን ግርማን ሃቦ። ምምሃር ካብ ዝጅምር ኣብ ውሽጢ ሓጺር ጊዜ ኣብ ልቢ ናይ ሕዝበ ክርስቲያን ኣተወ። ናይቲ ሕዝቢ ፍቕሪ ድማ ረኸበ። ንሱ ኣብ ዝምህረሉ ጊዜ ኵሉ ናይ ቤተ ክርስቲያን ቀጽሪ ብሕዝቢ ይመልእን ይጸብብን ነበረ።

ኣብ ልዕሊዚ ናይ ኣንጾኪያ ተግባሩ ብ387 ዓ.ም ዚተፈጠረ ሓደ ክስተት ነቲ ዝተዋህቦ ጸጋ ኣብዚሑን ጽቡቕ ጌሩ ክጥቀመሉን ብዝበለጸ ክደክምን ከም ዘለዎ ዝገብር ኩነታት ተፈጥረ። ናይ ከተማ ኣንጾኪያ ተቐማጢ ሕዝቢ ቀረጽ በዚሕዎ የማርር ስለ ዝነበረ፡ ናይቲ ካብ 379-395 ነጊሡ ዚነበረ ንጉሥ ቴዎዶስዮስ ቀዳማውን ናይ ሰበይቱን ናይ ኣርቃዴዎስ ዚተባህለ ወዱን ሓወልቲ ብምስባርን ነቲ ስብርባር ድማ ኣብታ ከተማ ብምጕታትን ከምኡውን ካልኦት ናይ ተቓውሞ መግለጺ ብምጥቃም ተቓውሞኦም ገለጹ። እቲ ንጉሥ ድማ ነዛ ኸተማ ብምልእታ ከጥፋኣ እየ ኢሉ  ፈከረ። ኣብቲ ሽዑ ጊዜ እቲ ኣረጋዊ ጳጳስ ፍላቭያን ነቲ ንጉሥ ኪልምኖ ኢሉ ናብ ቁስጥንጥንያ ክኸይድ ከሎ፡ ንሱ (ቅዱስ ዮሐንስ አፈወርቅ) ድማ ነቲ ሕዝቢ ኣብ ናይ ምጽንናዕን ምርግጋእን ሥራሕ ተጸምደ።

በቲ ንብዙሕ ኣዋርሕ ዝቐጸለ ናይ ጭንቀት ጊዜ ቅዱስ ዮሐንስ አፈወርቅ ነቲ ሕዝቢ ብምጽንናዕ፡ በደሎም ባዕሎም ከም ዝርድኡ ብምልማን፡ ከምኡውን ክፉእ ምግባሮም ንኸቋሩጹን ብምምካር ተኸታታሊ ትምህርቲ መሃረ። እዞም 21 ተኸታተልቲ ስብከታት “ትምህርት በእንተ ምክንያተ ሐወልታት” ተባሂሎም ይፍለጡ። ከምዚ ተባሂሎም ዚተሰየሙ ድማ በቲ ነቲ ትምህርቲ ምኽንያት ዝኾነ ምስባር ሓወልቲ ናይቲ ንጉሥ እዩ።  
ሓደ ናይ ቤተ ክርስቲያንና ናይ ታሪኽ ሊቅ። “እዞም ስብከታት እዚኣቶም  ብታሪኽ ተገዲፎም ካብ ዝኸዱ ሥራሓት ተወዳዳሪ የብሎምን” ይብል። ነቶም ተረቢሾምን ተስፋ ቖሪጾምን ዚነበሩ ሕዝቢ ከተማ ኣንጾኪያ፡ ምስ ኣጸናንዐን ምስ ኣረጋግአን፡ ኣብቲ ሕዝቢ ተለሚዶምን ኣስፋሕፊሖምን  ንዝነበሩ ጌጋታት ናብ ምስትኽኻል ቀጸለ። ብፍላይ ድማ ማሕላ ምምሓልን ካልኦት ጌጋታትን ንኽገድፉ፡ ከምኡውን ናይዚ ዓለም ጊዝያውነትን ከንቱነትን ከስተውዕሉ ከም ዘለዎም ብትሪ መሃረ።

እዞም ትምህርታት እዚኣቶም ብ387 ዓ.ም ኣብ ጾመ ኢየሱስ (ጾም ኣርበዓ) እዮም ተሰቢኾም። ሓደ ናይዞም ትምህርታት እዚኣቶም ውጽኢት ዝኾነ ድማ ኣዝዮም ብዙሓት ኣረማውያን ተጠሚቖም ናብ ክርስትና ምእታዎም ነበረ። ኣብቲ ኣጨናቒ ዚነበረ ናይ ሽግር ጊዜ፡ ብናይ ቅዱስ ዮሐንስ ስብከትን ድኻምን ብፍቓድ እግዚአብሔር ቤተ ክርስቲያን ጽቡቕ ፍረ ዘፍረየትሉ ጊዜ ኮይኑ ሓለፈ። እቲ ንጉሥ ድማ ብልመና ናይቲ ኣብ ናይ ሽምግልና ዕድሜኡ ናብ ቁስጥንጥንያ ዝኸደ ጳጳስ ፍላቭያን ነታ ኸተማን ነቲ ሕዝብን ይቕሬታ ገበረሎም። ንጉሥ ቴዎዶስዮስ ቁጡዕን ኃያልን እኳ እንተ ነበረ፡ ንናይ ቤተ ክርስቲያን ኣቦታት (ንጳጳሳት) ግና ዓቢይ ኣኽብሮት ነበሮ። ኣብ ካልእ ጊዜውን ንሰብ ተሰሎንቄ ብጅምላ ብምጭፍጫፉ ምኽንያት፡ ንተግሣፅ ናይ ሚላን ጳጳስ ዚነበረ ቅዱስ አምብሮስ ርእሱ ኣድንን ኣቢሉ ብትሕትና ተቐቢሉ እዩ።....ይቕጽል

Sunday 18 September 2016

ናይ ቅዱስ ዮሐንስ አፈወርቅ ሕይወቱን ትምህርቱን 2ይ ክፋል

2. ጥምቀትን ገዳማዊ ሕይወትን

እቶም ብጥንቃቐን ብጽሞናን ዘንብቦም ቅድሳት መጻሕፍቲ፡ ናይ ኣዲኡ ኣርኣያነት ዘለዎ (ኣብነታዊ) ናይ ቅድስና ሕይወትን ምስ ጳጳሰ መላጥዮስ ምፍላጡን ናይ’ቲ ናይ ገዳማዊ ሕይወት ዝንበለ ዝነበሮን ብዕድመ መዘናኡ ዝኾነን ዓርኩ ናይ ቅዱስ ባስልዮስ ተጽዕኖን ኣብ ሕይወቱ ቀስ ብቐስ ለውጢ ኣምጽኡ። ናብቶም ምስ ዓበዩ ዚጥመቑ ንኡሰ ክርስቲያን ብምእታው፡ ድሕሪ እቲ ልሙድ ናይ ሠለስተ ዓመት ትምህርትን ናይ ፈተና ጊዜን ኣብ መበል 23 ዓመቱ /ብ370 ዓ/ም/ ብጳጳስ መላጥዮስ ተጠመቐ። ካብዚ ጊዜ እዚ ጀሚሩ ይብል ዜና ሕይወቱ ዚጸሓፈ ናይ ሄልዮ ፖሊስ ጳጳስ ዚነበረ ጳላድዮስ፡ “ፈጺሙ ኣይመሓለን፡ ንዋላ ሓደ ኣይረገመን፡ ሓሶት ኣይተዛረበን፡ ዘይጠቅምን ዘይረብሕን ነገር ተዓጊሱ ኣይሰምዐን፡ ጥምቀቱ ነዛ ዓለም እዚኣ ፈጺሙ ዝኸሓደላ ንክርስቶስ ንምግልጋል ርእሱ ዝሃበላ፡ ካብ ዓለም ንክርስቶስ ዚተፈልየላ፡ ፍጹም ዝኾነ ለውጢ ናይ ሕይወት ዝገበረላ ነበረት። እቲ ለውጢ ድማ ፍጹምን ቀጻልን ነበረ።”

በዚ መንእሰይ ብናይ ቅዱስ ዮሐንስ አፈወርቅ ሥነ ምግባርን ሓፈሻዊ ኩነታትን ብምሕጓስን፡ ናይዚ መንእሰይ ናይ መጻኢ ዕብየቱ ዚተረድአ ናይ ኣንጾክያ ጳጳስ መላጥዮስ፡ ኣብ ኣገልግሎት ናይ ቤተ ክርስቲያን ንኽዋፈር ስለ ዝደለዮ፡ ኣናጉስጢስነት (ናይ ኣንባቢ መዓርግ) ሾሞ። ምስ ተጠመቐ ናቱ ድሌትን ዝንባለን ግና ናብ ገዳም ከይዱ ኣብኡ ገዳማዊ ሕይወት ምምራሕ እዩ ኔሩ። እንተ ኾነ ግና ናይ ኣዲኡ ጽኑዕ ዝኾነ ልመናን ምሕጽንታን ናይ ገዳማዊ ሕይወቱ ድሌት ካብ ምምላእ ንጊዚኡ ድኣ ይኹን እምበር ኣደናጉይዎ እዩ። ኣዲኡ ብሕይወት ክሳዕ ዘላ ተፈልይዋ ንኸይከይድ፡ ካብዚ ዓለም ምስ ተፈልየት ግና፡ ናብ ገዳም ንምኻድ ዝኽልክሎ ዋላ ሓንቲ ነገር ከም ዘየለ ኣጥቢቓ ስለ ዝተማሕጸነቶ ምስ ኣዲኡ ጸንሐ።

እንተ ኾነ ግና ንገዝኡ ናብ ገዳም ለወጦ። ርእሱ ካብታ ደጋዊት ዓለም ፈለየ፡ ኣብኡ ድማ ጽኑዕ ዝኾነ ብሕትውና ኪለማመድ ጀመረ። ኣዝያ ንእሽተይን ሕልፍ ሕልፍ ኢሉን ንሳ ውን ካብ ዝተናዕቀ ዓይነት መግቢ ንቑመተ ሥጋ ዝኣክል ጥራይ ይጥዕም፡ ኣብ መሬት ይድቅስ፡ ጸጸኒሑ ንጸሎት ይትንሥእ ነበረ። ግቡእ ናብ ዘይኮነ ዘረባ ንኸይኣቱ ኢሉ ውን ኣርምሞን ስቕታን ሓዘ። በዚ ተግባሩ ድማ ኣቐዲሞም ዚፈልጥዎን ዚቐርብዎ ዚነበሩ ኣዕሩኽቱ ጸልእዎ። እንተ ኾነ ግና ኣብ መምህሩ ሊባንዮስ ምስኡ ሓቢሮም ዚተማህሩ ኽልተ ኣዕሩኽቱ መክሲሞስን (ድሒሩ ናይ ኤሌውቅያ ጳጳስ ዝኮነ) ቴዎድሮስን (ናይ ሞፕሶስቲያ ጳጳስ ዝኾነ) ከም ናቱ ገዳማዊ ሕይወት ብምምራጽ ገዳም ኣተዉ። መጽሓፍ ቅዱስ ድማ ካብ ዲያድርስ (ድሒሩ ናይ ተርሴስ ጳጳስ ካብ ዝኾነ) ተማህሩ።

ናይ ቅዱስ ዮሐንስ ናይ ቅድስና ሕይወቱን ምሁር ምዃኑን ዚረኣዩ ሕዝብን ካህናትን፡ ንዕኡን ንባስልዮስ ዓርኩን (ዋላ እኳ ዕድሜኦም ብመሠረት ቀኖና ቤተ ክርስቲያን ንዚድለ ብውሑድ 30 ዓመት ዘይመልኡ እንተ ነበሩ) ጵጵስና ክሾምዎም ደለዩ። ንሱ ግና “ኣነ ነዚ ከቢድ ሓላፍነት ኣይበቅዕን እየ። ነዚ ከቢድ ዝኾነ ሓላፍነት ናይ ቤተ ክርስቲያን ብቑዕ ዝኾነን ዝጠቕመናን ባስልዮስ ሓወይ እዩ” ብምባል ንባስልዮስ መታን ክሸምዎ ኢሉ ንሱ ተሓብአ። ባስልዮስ ነዚ ሽመት ዝተቐበሎ ድማ ዓርኩ (ቅዱስ ዮሐንስ አፈወርቅ) ምስኡ ዝሽየም መሲልዎ እዩ። እንተ ኾነ ግና ቅዱስ ዮሐንስ አፈወርቅ ንግዚኡ ስለ ዝተሓብአ ዓርኩ ባስልዮስ ጥራይ ተሾመ።

 ካብዚ ናይ ጵጵስና ሽመት “ጳጳስ ኣይከውንን እየ” ኢሉ ብምትራፉ ባስልዮስ በይኑ ብምሻሙን ዮሐንስ ብዘይ ምሻሙን ባስልዮስ ኣዝዩ ስለ ዝኾረየሉ፡ ክህነት ብዝምልከት (በእንተ ክህነት) ብምባል ዝጸሓፎም ኣዝዮም ኣደነቕቲ ዝኾኑ ሽዱሽተ ተኸታተልቲ መጻሕፍቲ ንምጽሓፍ ምኽንያት ኮኖ። እቶም መጻሕፍቲ ኣብ መንጎ ቅዱስ ዮሐንስ አፈወርቅን ባስልዮስን ብዝግበር ቃለ መሕትት መልክዕ ዚተዳለዉ ኾይኖም፡ ናይ ክህነት ሓላፍነት፡ ጥቕምን ዕብየትን ፈተናታቱን ክብደቱን፡ ብሱል ብዝኾነ ናይ ኣዘራርባ ጥበብን ብዝረቐቐ ናይ ኣጸሓሕፋ ሜላን ዝገለጸሉ ዘደንቕ መጽሓፍ እዩ። ናይ ክህነት ቀንዲ መሣርሒ መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዝኾነ ኣነጺሩ ይገልጽ። ናይ ክህነት ሓላፍነትን ክብደትን ብምርዳእ፡ ናይ ክርስቶስ መጓሰ ብምሉእ ልቢ ብምፍቃር፡ ርእስኻ ንናይ ክርስቶስ ኣገልግሎት ምፍላይ፡ ንክህነት ወሳኒ ምዃኑ ይገልጽ። መጽሓፍ ቅዱስ ዘይፈልጥን ዘይተማህረን፡ ከምኡ ውን ናይ ክህነት ሓላፍነት ክብደቱ ዘይተረድአ ሰብ ክህነት ክቕበል ከም ዘይግባእ የተሓሳስብ።

ቀንዲ ኣርኣያን ኣብነትን ጌሩ ዝወስዶ ንቅዱስ ጳውሎስ እዩ። እዚ ቅዱስ ኣቦ ናይ ሰባኽን ናይ ካህንን ቀንዲ ዕላምኦም ንእግዚአብሔር እምበር ንሰብ ምሕጓስ ኣይኮነን ይብል። ሓደ ኣገልጋሊ “ሥርሑ ጽቡቕ ከም ዝኾነ ንዝገልጹ መግለጺታት ኪነቅፍ የብሉን፡ እንተ ኾነ ግና ዋላ ሓንቲ ዋጋ ክህቦምን ብውሽጡ ኪቕበሎምን ኣይግባእን። ድሒሮም እዞም ንጽቡቕ ሥርሑ ዚገልጹ ዚነበሩ ውዳሴታትን ጽቡቓት ቃላትን እንተ ተረፉዎ ኪጭነቕን ኣብ ዕላማኡ ኪጠራጠር ወይ ዕላማኡ ኪልውጥ ኣይግባእን። ከበሬታ ምስ ትሕትና ሥልጣን ምስ ሰባት ምስ ምርድዳእን ርእስኻ ዚተፈለየ ጌርካ ምስ ዘይምቑጻርን፡ ንዅሉ ማዕረ ምርኣይ ምስ ከይብሉኒ፡ ንናጽነት ምስ ነብስኻ ምውራድ፡ ሓደ ዕላማኡን ድሌቱን ናይ ክርስቶስ ክብርን ናይ ቤተ ክርስቲያን ድኅነትን ብልጽግናን ዝኾነ ኪኸውን ይግባእ” ይብል። እዚ መጽሓፉ ናይ ክህነት  ብዙሕ መደብን ሓላፍነትን ናይ ኣገልግሎቱ ክብደትን ብምርኣይ ናብ ክህነት ክኣትዉ ንዝደልዩ ዅላቶም ጽቡቕ ትምህርቲ ዝህብ ዝድነቕ መጽሓፍ እዩ።. . . . ይቕጽል

Friday 16 September 2016

ታሪኽ ናይ ተሃድሶ 8ይ ክፋል


ሎሚ ናብቲ ሰባኺ እየ ኪመልሰኩም። ሰባኺ ኣብ መንጎ ስብከቱ “ሕጂ መን ተሪፋ?” ይብል እሞ እቶም ከም ሊድያ እዝነ ልቦናኦም ከፊቶም  ዚሰምዑ ዘለዉ ቅዱሳን መጓሰ ድማ ብሕብረት “ኢትዮጵያ” ብምባል መለሱ። ሰባኺ ብምቕጻል “ተሃድሶ ኣብ ኢትዮጵያ  ንመጀመርያ ጊዜ ኣብ ናይ ሃጸይ ኃይለ ሥላሴ ዘመነ መንግሥቲ እዮም መጺኦም። መጀመርያ ዝበልዎ ድማ ነዚ ሕዝቢ ኪንምህር ዝብል እዩ ኔሩ። መጽሓፍ ቅዱስ ካብ ግእዝ ናብ ኣምሓርኛ ተርጕምና፡ ናይ ኣምሓርኛ መጽሓፍ ቅዱስ ኪንዝርግሕ ዝብል እዩ ኔሩ። በቲ መጀመርያ ክመጹ ኸለዉ ዝኣተውዎ ቃል ኪዳን መሥረት ድማ፡ ኣብያተ ትምህርቲ ንምስፍሕፋሕ፡ መጽሓፍ ቅዱስ እና ሓተሙ ንምሃብ ነዛ ቤተ ክርስቲያን ደገፍ ኪንገብር ኢና ኢሎም እዮም መጺኦም። ድሕሪ ምምጽኦም ሓደ ኤስ ኤም ኤስ ዚበሃል ማኅበር ተመሥረተ። ሱዳን ኢንተርየር ሚሽን ዝበሃል ሓደ ማኅበር ተመሥረተ፡ ቀንዲ ቤት ጽሕፈቱ ኣብ’ዚ ከባቢ ጸሊም ኣንበሳ እዩ ዘሎ። ኣብቲ ቦታ እቲ ድማ ካብ ዚተፈላለየ ቦታታት ሰባት እናምጽኡ ኪምህርዎም ጀመሩ። ‘ቅድሳት ገድላት እኳ ሽግር ኣለዎም፡ ስንክሳር እኳ ሽግር ኣለዎም፡ ቅዳሴ እኳ ጸገም ኣለዎ ጾም እኳ ሽግር ኣለዎ፡ ጸሎት ውን ሽግር ኣለዎ እናበሉ ድማ መሃርዎም። ሽዑ እቶም ተመሃሮ ሓቂ መሲልዎም ተመሊሶም ናብ ቤተ ክርስቲያን ብምእታው ‘እዚ እኳ ሽግር ኣለዎ’ ክብሉ ጀመሩ። ኣብቲ ሽዑ ጊዜ ዓቢይ ሽግር ተፈጢሩ ኔሩ። ንሳቶም ውን ከይቀጸሉ ብዙሓት ናይ ፕሮቴስታንት ኣብያተ ክርስቲያናት ስለ ዝተዓጽዉ ግና ቁሩብ ዘሓለ። ብ 1983 ዓ/ም እንደገና መንግሥቲ ምስ ተቐየረ ናይ ሃይማኖት ነፃነት ምስ ተኣወጀ፡ ነዚ ተጠቒሞም ከም ብሓድሽ ተንሥኡ። ስለ’ዚ ናይታ ቤተ ክርስቲያን መሰልጠኒታት ናይ ቤተ ክርስቲያን ገዳማትን ንቤት ትምህርቲ ሰንበትን ዕላምኦም ብምግባር ተላዕሉ። እዚ ታሪኽ እዚ መብዛሕትኹም ስለ ትፈልጥዎ ኣይትርኾን እየ። ሓደ መብዛሕትና ዘይሰማዕናዮ ታሪኽ ግና ኪነግረኩም፦  ኣቐዲመ ከም ዝበልኩኹም ናይ ኢትዮጵያ ቤተ ክርስቲያን ናይ እምነታን ናይ ሥርዓታን ናይ ትውፊታን መሠረት ገዳማት እዮም። ገዳማት ንምጥፋእ ድማ ክልተ መገድታት ተጠቒሞም ኔሮም።

1ይ ተመሳሲልካ ምእታው፦ ንኣብነት ኣብ ናይ ደቂ ኣንስትዮ ገዳማት ደቂ ተባዕትዮ ክዳን ናይ ኣንስቲ ተኸዲኖም ሰበይቲ መሲሎም ምእታው፡ ኣብ ናይ ደቂ ተባዕትዮ ገዳማት ድማ ኣዋልድ ክዳን ሰብኣይ ተኸዲነን ኣወዳት ወሲለን ምእታው። ብድኅርዚ ነቦታት ኣጋጊኻ ናቶም ዜና ኣብ ሚድያታት ከም ዝንገርን ከም ዝርአን ጌርካ ሽዑ ሕዝቢ ካህናትን መነኮሳትን ከም ዝጸልእ ምግባር። እዚ እኩይ ተግባር እዚ ግና እግዚአብሔር ኣይፈቐደሎምን፡ ኣብ ውሑዳት ገዳማት ምስ ኣተዉ ተታሒዞም ናብ ፖሊስ ስለ ዝተወሰዱ ብድሕሪኡ ኣይቀጸልዎን።

2ይ ዚገበርዎ ድማ፦ ናብ ገዳማት ብምእታው ኣብ ገዳማት ንዘለዉ ናይ ብራና መጻሕፈቲ እንፈሓቑ፡ ናታቶም ኑፋቔ ምእታው እዩ። ሕጂ ውን ኣብ ሓደ ክልተ ገዳማት ኣተዉ፡ ነቲ መጻሕፍቲ ፍሒቖም ናቶም ክሕደት ከእትዉሉ ምስ ጀመሩ እቲ ኵሉ ዚፈልጥ እግዚአብሔር መንፈስ ቅዱስ ኣቃልዖም። ኣቦታት ነዚ ውን ተኸታቲሎም ምስ ሓዝዎም ነዚ ውን ኣቋረጽዎ።

ብድሕሪ እዚ ናብ ናይ ኣብነት ትምህርቲ ቤታት ከይዶም፡ ነዞም ተማሃሮ ገንዘብ ክንህቦም ኢና፡ ክዳን ክንህቦም ኢና፡ መጽሓፍ ክንህቦም ኢና ክብሉ ድማ ጀመሩ። እዚ ውን ኣይቀንዖምን። ኣብ መወዳእታ ሕጂ ኣነን ንስኻትኩምን ዝበጻሕናዮ ካልእ ዘመታ ጀመሩ። እንታይ ጌሮም መሲልኩም ፦ ነቶም ናትና ሰባኽያን ናትና ዘማርያን፡ ንሕና ኣገልገልቲ ንብሎም ሰባት ኪጥቀሙሎም ጀመሩ። እዚ ሜላ እዚ ክልተ ዓይነት ሜላ እዩ። 

1ይ. ስልቲ ምርስሳዕ እዩ፦ ምርስሳዕ ማለት እዞም ሰባት እዚኣቶም ድንግል ማርያም ኣይተማልድን እያ ኢሎም ኣብ ኣደባባይ ኣይዘረቡን እዮም። ጾም ኣየድልን እዩ፡ ጸሎት ኣየድልን እዩ፡ ውዳሴ ማርያም ኣይትድገሙ፡ ሰዓታት ኣይትቑሙ ማኅሌት ኣይትቑሙ ኣይብሉን እዮም። ግና ኸኣ ብኣንጻሩ ማኅሌት ቁሙ ውን ኣይብሉን እዮም። ብዙሓት ምእመናን ዝደናገሩ ድማ በዚ እዮም። እዋእ! ‘እዚኦም እኳ ድንግል ማርያም ኣይተማልድን እያ፡ ኣይብሉን እዮም፡ ኃጢአት ሓሊፍዋ ኔሩ ውን ኣይብሉን እዮም’ ዝብል ሰብ ብዙሕ እዩ። እዚ ግና እቲ ሓደ ጥበቦም እዩ፡ ድንግል ማርያም ተማልድ እያ ኢሎም ከ ይሰብኩ ዶ? ኃጢአት ሓሊፍዋ ኣይፈልጥን እዩ ኢሎም ከ ይሰብኩ ዶ? ንሕና እኮ ንሓደ ሰብ መናፍቕ ኢልና ንጽውዖ ድንግል ማርያም ኣይተማልድን እያ ስለ ዝበለ ጥራይ ኣይኮንናን፡ ድንግል ማርያም ተማልድ እያ ዘይብል ውን መናፍቕ እዩ።ምረስሳዕ እምበአር እዚ እዩ። ብዛዕባ ጾም ብዛዕባ ጸሎት ብዛዕባ ጸሎት ኣይዝምሩን፡ እስከ ገዛኹም ምስ ከድኩም ቅድሚ 10 ዓመት ዚነበሩ መዝሙራትን ድሕሪ ዓሠርተ ዓመት ዝመጹ መዝሙራትን ኣነጻጽርዎም።ብዛዕባ ጾም፡ ጸሎት፡ ስግደት፡ ማኅሌት፡ ሰዓታትን ብዛዕባ ሕይወት ቅዱሳንን ዚዝመሩ መዝሙራት እኳ እናጠፍኡ እዮም ዝኸዱ ዘለዉ። ጸልዩ ዝብሉ ዳዊት ድገሙ ዝብሉ፡ ውዳሴ ማርያም ድገሙ ዝብሉ ማኅሌት ቁሙ ዝብሉ መዝሙራት እኳ እናጠፍኡ እዮም ዝኸዱ ዘለዉ። ስለ ምንታይ ይመስለኩም እናጠፍኡ ዝመጹ ዘለዉ? ምርስሳዕ፡ ብፍላይ መንእሰይ ወለዶ ከም ዝርስዖ ምግባር።

2ይ ስልቲ ድማ ምቅላል እዩ፦ ምቅላል ማለት እንታይ ማለት መሲልኩም፦ ንካህናት ኣቦታትና ንመነኮሳት ኣቦታትና ንመስቀል ገዳማዊ ሕይወትን ንቃል ኪዳንን ምቅላል። 

ሓደ ኣጋጣሚ እንታይ ኣጋጢሙ መሲልኩም “ሓደ ኣዝዩ ዓቢይ ዝበሃል ሰብ፡ ናብ ግሸን ማርያም ጉዕዞ ተዳልዩ ኣርባዕተ ሓሙሽተ ኣውቶቡስ ዝኣክል ሕዝቢ እናተጓዕዘ፡ ከምቲ ኵላትኩም ትፈልጥዎ፡ ኣብ መንፈሳዊ ጉዕዞ፡ መምሃራን ይምህሩ፡ መዘምራን ይዝምሩ፡ ብድሕሪኡ ድማ ናይ ሕቶን መልስን ጊዜ ውን ኣሎ። እቲ ሕዝቢ ድማ ነዚ ኣጋጣሚ እዚ ተጠቒሙ ነዚ ናይ 400-500 ኪሎ ሜተር ጉዕዞ ካብ መምሃራኑ እናተማህረ ዘይፈልጦ ሕቶ ድማ እናሓተተ እዩ ዝጎዓዝ። ሽዑ ሓንቲ ኣደ “ናብ ግሸን ክንከይድ ከለና፡ ኣብ እግዚአብሔር አብ ቤተ ክርስቲያን፡ ደቂ ኣንስትዮ ኣይትእተዋ ይበሃል፡ ስለምንታይ እዩ? ኢለን ይሓታ። እቲ ዝምልስ ሰብ ግና ዘይፈልጦ እንተ ኾይኑ ኣይፈልጦን እየ፡ ኣብኡ ምስ በጻሕና ነቶም ኣቦታት ንሓቶም፡ ወይ ዝፈልጦ እንተኾይኑ ድማ ብትኽክል ከረድአን እዩ ዝግባእ ኔሩ። ንሱ ግና ብናይ ምቅላል ቃል ከምዚ ብምባል መለሰለን፦ “ምናልባት ቅድሚ ሓሙሳ ሱሳ ዓመት ሓደ ደብተራ ኣይትእተዋ ኢሉ ኣዚዙ ይኸውን፡ ንዕኡ ድማ ከም ሥርዓት ጌሮምዎ ይኾኑ፡ ስለ’ዚ ክሳዕ ሕጂ እቲ ደብተራ ብዝበሎ ኢና ንከይድ ዘለና እምበር እንተኣተና ውን ሽግር የብሉን” ብምባል መለሰለን።….ይቕጽል

Wednesday 14 September 2016

ናይ ቅዱስ ዮሐንስ አፈወርቅ ሕይወቱን ትምህርቱን 1ይ ክፋል

ቅዱስ ዮሐንስ አፈወርቅ ቤተ ክርስቲያን ካብ ዘፍረየቶም ሰባኽያንን መተርጉማንን ዓቢይን ሕያዋይን ኣቦ እዩ። ክሳዕ ሎሚ ድማ ኣብ መላእ ናይ ክርስትና ዓለም ዝለዓለ ቦታ ሒዙ ይርከብ። ኣበር ዘይብሉን ደስ ዘብልን ናይ ሕይወት ኣሰር ገዲፉ ዝሓለፈ፡ ብሰባኽያንን መተርጉማንን ዘወትር ዚንበብን ዚጥቀስን፡ ኣብ ኵላቶም ከምኡ ጌሩ ብፍቕሪ ዝዝከርን የለን። ካብ ድሕሪ ዕረፍቱ ካብ መወዳእታ ናይ 5ይ ክፍለ ዘመን ጀሚሮም ብተጋድሎኡን ብትምህርቱን ብቕድስና ናይ ሕይወቱን ዘድንቕዎን ዝፈትዉዎን ክርስቲያን ብድሕሪ ዕረፍቱ “አፈወርቅ” ዝብል ቅጽላዊ መጸውዒ ሃብዎ። እዚ ድማ ካብቲ ዮሐንስ ዝብል ቀንዲ ናይ መጸውዒ ስሙ ንላዕሊ ጎሊሑ ዝፍለጠሉን ዝጽውዓሉን መጸውዒ ክሳዕ ምዃን ዝበጽሐ  ኮይኑ፡ ነቲ ንቤተ ክርስቲያን ዘበርከቶ ዓቢይ ኣስተዋጽኦ ግቡእ ዝኾነ ሓፈሻዊ መግለጺ እዩ። ኣብዚ ቀዳማይ ክፋል ናይ ቅዱስ ዮሐንስ አፈወርቅ ሕይወቱ ብኸምዚ ዝስዕብ ክንርእይ ኢና፦ 

1. ካብ ቁልዕነቱ ጀሚሩ ክሳዕ ዚጥመቕ

ቅዱስ ዮሐንስ አፈወርቅ ብ347 ዓ/ም ኣብታ ናይ ሶርያ ርእሲ ከተማ ዚነበረት፡ ካብ ኣሕዛብ ናብ ክርስትና ንዝኣትዉ ክርስቲያናት መነሃርያ ኣብ ዚነበረት፡ ክርስቲያናት ንመጀመርያ ጊዜ “ክርስቲያን” ተባሂሎም ኣብ ዚተጸውዑላ ኣብ ከተማ ኣንጾክያ ተወልደ። ኣንጾክያ ናይ ምብራቓዊ ናይ ሮማ ግዝኣት ብድሕሪ ቁስጥንጥንያ ካልኣይቲ ትሥራዕ ከተማ ነበረት። ራብዓይ ሚእቲ ክፍለ ዘመን ዚተፈላለዩ መናፍቓን (መነናውያን፡ ግኖስቲካውያን፡ ኣርዮሳውያን፡ ኣቡሊናርዮሳውያን) ከምኡ ውን ኣይሁዳውያንን መምለኻያነ ጣዖት ዝኾኑን ኵላቶም ኣብ ከተማ ኣንጾክያ ነናቶም እምነት ንምስፍሕፋሕ ይጓዩሉ ዚነበሩ ዘመን እዩ። ኦርቶዶክሳውያን ክርስቲያናት ንባዕሎም ብምኽንያት እቲ ኣብ መንጎ ጳጳስ መላጥዮስን ጳውሊኖስን ዚነበረ ፍልልይን ምምቕቓልን ኣብ ክልተ ተኸፊሎም ነበሩ። ስለዚ ናይ ቅዱስ ዮሐንስ አፈወርቅ ናይ ንእስነት ዘመኑ፡ ኣብቲ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ኣሸጋሪ ኩነታት ዚነበረትሉ ዘመን እዩ ኔሩ።

ኣቦኡ ሴኩንድስ ዚተፈልጠ ዓቢይ መኮንን እኳ እንተ ነበረ፡ እንተ ኾነ ግና ቅዱስ ዮሐንስ ገና ሕፃን ከሎ እዩ ሞይቱ። ኣዲኡ ኣንቱዛ ብሃይማኖታን ብምግባራን፡ ኣዝያ ብጣዕሚ ዝተደነቐትን ዚተመስገነትን ክርስቲያን ነበረት። ገና ጓል 20 ዓመት ከላ ሰብኣያ እኳ ብሞት እንተ ተፈልያ፡ ንዝኾነ ዓይነት ሕቶ ናይ ካልኣይ ጊዜ መርዓ ብዘይ ምቕባል ነቶም ኣቦኦም ገዲፍዎም ዝዓረፈ ክልተ ደቃ ቅዱስ ዮሐንስን ዓባይ ሓፍቱን ኣብ ምምሃር ኣተኮረት። ኣንቱዛ ክርስትና ኣብ ሕይወት ደቂ ኣንስትዮ ከመይ ኢሉ ከም ዘብርህን ዘለዎ ኣወንታዊ ጽቡቕ ተጽዕኖ ብተግባር ብምርኣይን፡ ኣብቲ ዘመን ምስ ዝነበራ ፍጹም ሃይማኖተኛታት ኣዴታት ዘመድብ ሕይወት በጺሓ ነበረት። ናይ ኣዲኡ ናይ ኣንቱዛ ዚተቐደሰ ሕይወት፡ ኣብ ልዕሊ ክርስቲያን ጥራይ ዘይኮነስ ብኣሕዛብን በቶም ኣብቲ ዘመን ዚነበሩ ዓበይቲ ምሁራንን ከይተረፈ ዚተደነቐ ነበረ። ሊባንዮስ ዚተባህለ ቀንዲ ናይ ኣሕዛብ ቀበለ እምነት (Heathenism, Paganism) ጠበቓ ዚነበረ፡ ናታ ጽንዓትን ሕይወትን ምስ ሰምዐ “ኣቤት! ካብ ወገን ክርስቲያናት ከመይ ዝበለ ኣደናቒ ዝኾነ ናይ ቅድስና ሕይወት ዘለወን ኣንስቲ ኣለዋ!” ኢሉ ንምግራም ተገዲዱ እዩ።

ኣዲኡ ኣንቱዛ ወዳ ቅዱስ ዮሐንስ አፈወርቅ ፍልስፍናን ናይ ኣዘራርባ ክእለት (ጥበብ ዘረባ) ኣብ ዘመኑ ካብ ዝነበሩ ዓበይቲ መምሃራን ከም ዝመሃር ገበረት። ከምኡ ውን ኣብ ኣእምሮ ናይ ወዳ ገና ካብ ቁልዕነቱ ጀሚሩ ናይ እምነት ዘርኢ ጽቡቕ ጌራ ዘርአት። እዚ ናይ እምነት ዘርኢ እዚ ድማ ድሓር ንርእሱን ንቤተ ክርስቲያንን ኣዝዩ ጠቓሚ ዝኾነ ብዙሕ ፍረ ኣፍረየ። ብናይ ኣዲኡ ተግሣፅን ብናይ መጽሓፍ ቅዱስ ትምህርትን ኣብ ዘመኑ ኣስፋሕፊሑ ካብ ዚነበረ ኣሕዛባዊ  ከንቱ ኣተሓሳስባ ተሓለወ።

ኮይኑ ግና ክሳብ ዝዓቢ ኣይተጠመቐን ነበረ። ኣብቲ ቤተ ክርስቲያንና ንደቃ ካብ ኣሕዛብነት ናብ ክርስትና ተሰጋግረሉ ዚነበረት ዘመን፡ ብዝሒ ናይ ዝጥመቑ ንኡሰ ክርስቲያን (ሓደሽቲ ኣመንቲ) ካብ ናይ ተጠመቕቲ ሕፃናት ቁጽሪ ኣዝዩ ይበልጽ ነበረ። ካብዚ ዚተላዕለ ብዙሓት ናይ ቤተ ክርስቲያንና ሊቃውንት ከም በዓል (ቅዱስ ቄርሎስ ጳጳስ ዘኢሩሳሌም ባዕሉ ቅዱስ ዮሐንስ አፈወርቅን ካልኦትን) ንንኡሰ ክርስቲያን ቅድሚ ምጥማቖምን ናብ ቅዱስ ቊርባን ቅድሚ ምቕራቦምን ክመሃርዎም ዝግብኦም ቅጥዕታትን መሠረታዊ ትምህርታትን ኣዳልዮም እዮም። ሓደ ሓደ ናይ ክርስቲያን ቤተ ሰብ ከይተረፉ ናይ ደቆም ጥምቀት ክሳዕ ዝዓብዩ የደንጉይዎም ነበሩ። እዚ ድማ ንጥምቀት ካብ ዘለዎም ዓቢይ ክብሪ ዚተበገሰን፡ ቀልጢፍካ ምጥማቕ ናይ ጥምቀት ጸጋ መሊስካ ናይ ምጥፋእ ስግኣት ኣለዎ ካብ ዝብል ኣብ ዘመኑ ካብ ዝነበረ ናይ ፍርሃት ኣተሓሳስባ ዚተላዕለን እዩ። እዚ ድማ ከምዚ ሕጂ ብዙሓት ንስሓ ምእታውን ምቚራብን ክሞቱ ክሳዕ ዝቀራረቡ ከም ዝድንጉዩ ግጉይ ዓይነት ኣተሓሳስባ እዩ። ቅዱስ ዮሐንስ አፈወርቅ ድሒሩ እዚ ልማድ እዚ ቅኑዕ ከም ዘይኮነ ኣጥቢቑ ይኹንኖ።

ኣብ ዘመኑ ዝነበረ ትምህርቲ ናይ ኣዘራርባ ጥበብ (ክሂሎተ ነቢብ)፡ ኣብቲ ዘመን ቀዳማይ ሊቅ ካብ ዚነበረ፡ ሊባንዮስ ካብ ዚተባህለ መምህር ተማህረ። ፍልስፍና ድማ ኣብ ኣቴንስ ካብ ዚነበሩ ፍሉጣት መምሃራን ተማህረ። ብሓፈሻ ፍልጠቱ ብትምህርቱን ብናይ ምስትውዓል ክእለቱን፡ ልዕሊ ኩሎም እቶም ምስኡ ዝመሃሩ ዚነበሩ ኣዕሩኽቱ ነበረ። እዚ ትምህርቱ እዚ ውን ንቐጻሊ ንዝዋፈረሉ ናይ ቤተ ክርስቲያን ኣገልግሎት ኣዝዩ ጠቒምዎ እዩ። ቅዱስ ዮሐንስ አፈወርቅ ናይ ሊባንዮስ ምሩጽን ፍቱውን ተመሃሪ ነበረ። ሊባንዮስ ክመውት ኣብ ዝተቓረበሉ ጊዜ “መን ክትክኣካ ኢኻ ትደሊ?” ኢሎም ምስ ሓተትዎ፡ “እዞም ክርስቲያን ካባና ሰሪቖም እንተ ዘይወስዱልና ኔሮም ዝትክኣኒ ዮሐንስ እዩ ኔሩ” ክብል መለሰሎም።

ትምህርቱ ምስ ወድአ ንቁሩብ ጊዜ ጠበቓ ኮነ። እዚ ሥራሕ እዚ ንሸመት መንግሥትን ሥልጣንን ቀንዲ ኣፍ ደገ ዝኸፍት ነበረ። ኣብ ኣብያተ ፍርዲ ክእለት ዘረባን ፍሉይ ተሰጥኦን ምርኣይ ንዓበይቲ ሽመታት፦ ካብ ሚኒስተርነት ክሳዕ ቀዳማይ ሚኒስተር ከብጽሕ ዝኽእል ጎደና ነበረ። ኣብ ቤተ ፍርዲ ዝገብሮም ዝርርባት በቶም ዝሰምዕዎን ብመምህሩ ብሊባንዮስ ከይተረፈ ዓቢይ ኣድናቖት ረኸበ። እንተ ኾነ ንሱ ግና በዚ ሕጉስ ኣይኮነን። ኣብ ማእከል እቲ ሞራላዊ ደረጃኡ ዚተበላሸወ ሕብረተ ሰብ ምንባር ኣጽልኦ። ንክፉእ ጉዳይ ጽቡቕ ኣምሲልካ ብምቕራብ ዝርከብ ገንዘብ ናይ ሰይጣን ደሞዝ ምቕባል ኮይኑ ተስምዖ። ንክርስትና ዘለዎ ዝምባለን ፍቕርን እናወሰኸ መጸ። ዚተዋህቦ ዓቢይ ጸጋ ቅዱሳት መጻሕፍቲ ንምጽናዕን ንኣገልግሎት ቤተ ክርስቲያንን ንምውዓል ኣዘንበለ።...ይቕጽል

Monday 12 September 2016

ምትረተ ዮሐንስ (ብቅዱሰ ዮሕንስ አፈወርቅ)























ዚተፈተኹም ደቀይ! ንወለተ ሄሮድያዳን ከምኡ ‘ውን ኣብ’ዚ ዘመን እዚ ንዓኣ ንዚመስሉ ኵላቶምን ንብከየሎም። ከምዚ ዓይነት ዲያብሎሳዊ ተግባር ሕጂ ‘ውን ብዚገደደን ብዚበኣሰን መልክዑ ይፍጸም ስለ ዘሎ፡ ንወለተ ሄሮድያዳን ወለተ ሄሮድያዳውያንን ንብከየሎም። ዋላ እኳ ኣብ’ዚ ዘመን’ዚ ዮሐንስ ክሳዱ እንተዘይተሰይፈ፡ ካብዚ ብዝገደደ መልክዑ ግና ናይ ክርስቶስ ህዋሳት ይስየፉ ኣለዉ። ኣብ ልዕሊ ደረፍቲ ዚሓደረ ርኹስ መንፈስ ከም ናይ ጓል ሄሮድያዳ ሥጋዊ ክሳድ ዘይኮነስ ነፍሲ እዩ ዚሓትት። ደረፍቲ ብመጀመርያ ንሰባት ናታቶም ባሮት ወይ ከኣ ኣድነቕቲ ይገብርዎም። ብምቕጻል ድማ ብደርፍታቶም ጌሮም ነፍሳት ብፍትወት ከም ዚቃጸላ ይገብርወን። ዝሙት ንኽፍጽሙ ድማ የበረታትዕዎም። እቶም ባሮት ወይ ድማ ኣድነቕቲ በዚ ተግባሮም እዚ ሥጋዊ ክሳዶም ኣይኮኑን ዚሕተቱ፡ እንታይ ድኣ ንነፍሳቶም ግዲ ዘይብሎም ሸለልተኛታት ኣመንዝራታት ብምዃን ናይ ነፍሶም ክሳድ እዮም ዚሕተቱ። ዚተፈተኹም ኣሕዋተይ! ወይኒ ሰቲኹም ሰኺርኩም እንከለኹም፡ ሓንቲ ጽብቕቲ ጓል ኣብ ቅድሜኹም መጺኣ ምስ ትስዕስዕ፡ ከምኡ ‘ውን ንዓኹም ብዚድልል ናይ ቅብጥሮት ቃላት ምስ እትዛረበኩም “ዋላ ሓደ ዓይነት ፍትወት ኣይለዓለናን እዩ። ምስኣ ዝሙት ንምፍጻም ‘ውን ኣይንሓስቦን ኢና። ክብረ ንጽህናና ኣይነርክስን ኢና” እናበልኩም ፈጺምኩም ርእስኹም ኣይተታልሉ። ዲያብሎስ ብኣምሳል ደራፊትን ሳዕሳዒትን ኣብ ቅድሜኹም ዚቖመ፡ ነቲ ናይ ክርስቶስ ኣካላት ዝኾነ ሥጋኹም ኣካል ናይ ኣመንዝራታት ንምግባር ከም ዚኾነ ፍለጡን ተረድኡን። (1ይ ቆሮ 6፡15) ዋላ እኳ ጓል ሄሮድያዳ ሎሚ ብኣካለ ሥጋ እንተዘይሃለወት፡ ንዓኣ ዘሳዕስዓ ዲያብሎስ ግን ኣሎ። ሕጂ ‘ውን ንብዙሓት እናሳዕስዑ ክሳደ ነፍሶም ከም ዚቑረጹ ዚገብር ዘሎ ንሱ ስለ ዚኾነ ፈጺምኩም ርእስኹም ኣይተታልሉ።
 ዝኸበርኩም ኣንበብቲ ሰማዕትነት ኣይምልጥኩምን ካልኦትን ካብ ትብል ሓዳሽ መጽሓፍ ወሲደ ንሓድሽ ዓመትን ነዚ ክቡር በዓል ምትረተ ርእሱ ናይ ዮሕንስን ዝምልከት ከቕርበልኩም ዝጸናሕኩ ኣብ`ዚ ተወዲኡ ኣሎ። ኣነ ማዕጾ ክፊተልኩም ኣለኹ ኣብ ውሽጢ ኣቲኹም ምስ እዚ ቅዱስ ኣቦ ብመንፈስ ኪትሕንብሱ ምስ ትድልዩ ግና ነቲ ዚተረፈ ክፋላት ባዕልኹም ከተንብብዎ ኪገድፈኩም እየ። ኣነ ድማ ብጠልብኩም መሰረት ነታ ብሓጺር ጥራይ ቀሪባ ዘላ ታሪኽ ሕይወት ናይ ቅዱስ ኣቦና ዮሕንስ ኣፈውርቅ ኣስፊሐ ከም ጽኣልኩም ኪፍትን እየ ብጸሎትኩም ድግፉኒ። ሓፈሻዊ ትሕዝቶ ናይታ መጽሓፍ ነዚ ዝስዕብ ይመስል። 

ናይ ቅዱስ ዮሐንስ ኣፈወርቅ ሓጺር ዜና መዋእል
† ክፍሊ ሓደ †
ሓድሽ ዓመት
ምትረተ ዮሐንስ
ናይ ትዕቢት መጀመርያ…(ሲራ 10፡12)
ውዳሴ ከንቱ ናይ ምድላይ መዘዝ
ፍሉይ ቤት ፍርዲ
ንሕና ባዕልና ንነብስና ናይ ምንታይ ምኽንያታት ኢና?
ዓቢይ ምዃን ምስ እትደልዩ…
ናይ ሕልና ዳኛ
† ካልኣይ ክፋል †
ሓቀኛ ሓጎስ ዶ ትደልዩ ኢኹም?
ዋላ ሓደ ዳሕረዋይ እየ ኢሉ ተስፋ ኣይቑረጽ
ስለ ኵሉ ነገር ክብሪ ንእግዚኣብሔር ይኹን!
ክዳን መርዓ
ነቲ ኣረጊት ሰብነት እለይዎ
ምንጻል ጥንሲ
† ሣልሳይ ክፋል †
ጾም
ድራር ፍቕሪ
ንሰብ ዘይኮነስ ንእግዚኣብሔር ምሕጓስ
ንዲያብሎስ ከመይ ጌርና ኢና ንስዕሮ?
ንሕና እንተዘይፈቒድናሉ ሰይጣን...
ቤት ኣቦኺ ረስዒ
ምጽዋት
ሰማዕትነት ኣየምልጥኩም
ንወለዲ ዝተዋህበ ምኽሪ
ንሓውኹም ምድፋእ ዘይኮነስ…
ናብ’ቲ ናይ ዕረፍቲ ቦታ ንምእታው ንትጋህ
ሰብ ምስ ሞተና እንታይ ንግበር?
መምህር ! ንስኻ ወዲ እግዚኣብሔር ኢኻ
ናይ ትሕትና ነገር ካብ መን ንመሃር?
መንፈስ ኣይተጥፍኡ
ጐይታና ብምንታይና ይድነቕ ይኸውን?
እንታይ ፍረ ኣፍሪና?
ቅንኣት ካብ ልብና ነቒልና ናይ ፍቕሪ ፈልሲ ንትከል
ክንደይ ንኸውን?
ነገሥታት ካህናትን ነብያትን ኴንና ተሼምና ኢና
ምጅማር ዘይኮነስ…
ኪስዕበኒ ዝደሊ
ንህቢ መዓስ እያ ትመውት?
እግዚኣብሔር ምምስጋን ከመይ?
ኣብዚሕና መታን ኪንዓጽድ ኣብዚሕና ንዝራእ
ዚተቐደሱ ኣእዳው ኣልዕሉ
ካባኻትኩም ዝድለ...
ናይ ፍቕረ ንዋይ መዘዝ
ናይ ይሁዳ ጣዕሳ
ሞትካ ንነግር
ኦ ሞት ኣበይ ኣሎ መውግኢኻ?
† ራብዓይ ክፋል †
ኣንቱም እትደኽሙ
ናይ ኣብዚሕካ ምብላዕ ጣጣ
ናትና ኣልኣዛር ከ መን ይኸውን?
ቅኑዕ ፍርዲ ፍረዱ
ኳሕኵሑ
ከንቱ ግዜ
ሕራይ እንተበልኩም…
ኵሉ ነገር ንጽቡቕ ከም ዝኸውን ንፈልጥ ኢና
ሓቀኛ መጋየጺ
ሽዑ
ንሓውኻ ኣይትንዓቆ
መወከሲ ድርሳናት

Sunday 11 September 2016

ሓድሽ ዓመት ብቅዱስ ዮሕንስ አፈወርቅ 3ይ ክፋል


† ሓድሽ ዓመት† 

....ጸጕርኻ ካብ ምሕጻር ንላዕሊ ዚንእስ እንታይ ነገር ኣሎ? እንተኾነ ግን እዚ ‘ውን ንኽብሪ እግዚኣብሔር ምግባር ይከኣል እዩ። ንኣብነት ደቂ ኣንስትዮ ብሰንኪ ጸጕረን ዚሰናኸሉ ደቂ ተባዕትዮ ምስ ዝህልዉ’ሞ ዋላ እኳ ነዚ ፈሊጠን እንተዘይቆረጽኦ፡ ኣወዳት ኪሰናኸልሉ ብዘይክእሉ መንገዲ እንተተሸለማ፡ ድኹማት ኣሕዋተን ብዘይሰናኸልሉ መንገዲ ንርእሰን እንተኣጌጻ፡ ጸጕረን ንኽብሪ እግዚኣብሔር ጌረንኦ እየን እሞ ሽመት ሽልማተን ብዙሕ እዩ። ነቲ ናይ ክፉእ ትምኒት ፍላጻ ንኽብሪ እግዚኣብሔር ኪብላ ስለ ዘትረፍኦ ዋጋአን ኣብ ሰማያት ኣዝዩ ዓቢ እዩ። ንኽብሪ እግዚኣብሔር ኢሉ ሓንቲ ኩባያ ዝሕልቲ ማይ ዚሃበ ሰብ ርስቲ መንግሥተ ሰማያት ዚረክብ ካብ ኮነ፡ እቲ ንገብሮ ኵሉ ንኽብሪ እግዚኣብሔር ንገብሮ እንተኴንና እሞ ሽመት ሽልማትና ክሳዕ ክንደይ ዓቢይ ዘይከ’ውን።


ንኽብሪ እግዚኣብሔር ኢልካ ምኻድን ዘይምኻድን ‘ውን ኣሎ። እንታይ ማለት እዩ? ናብ ናይ ክፍኣት ቦታ ዘይንኸይድ እንተኴንና፡ ናይ ቆነጃጅት መልክዕ ብምድናቕ ልቦናና ብናይ ሥጋዊ ትምኒት መንፈስ ዘይጽመድ እንተኾይኑ፡ ሓንቲ ጽብቕቲ ቆልዓ ኣብ ቅድሜና ርኢና ከም እተሰናኽለና ፈሊጥና ዓይንና ካብኣ እንኽውል እተኴንና፡ መልክዕ (ጽባቐ) ንኽብሪ እግዚኣብሔር ኣውዒልናዮ ማለት ይበሃል። 

ኣከዳድናና ‘ውን እንተ ኾነ ንኽብሪ እግዚኣብሔር ክንገብሮ ይግበኣና። ኣዝዩ ክቡር ዝዋግኡ ክዳውንቲ ከይተኸደንና፡ ሰብነትና ኣዚና ከይተቐላዕና፡ ብሓጺሩ ሰብ ዘየሰናኽል ኣከዳድና እንተተኸዲንና ኣከዳድናና ንኽብሪ እግዚኣብሔር ጌርናዮ ይበሃል። 

ንወድዮ ጫማና ‘ውን ንኽብሪ እግዚኣብሔር ኪንገብሮ ይግባእ። ሓደ ሓደ ሰባት ንዚመልስዎ ጫማ ካብ መጠን ንላዕሊ ኪጭነቑ ይርኢ እየ። ልክዕ ከምቲ ንገጾም ብዚተፈላለየ መመላኽዒ ከብለጭልጩ ዝደልዩ፡ ከምኡ ድማ ብዛዕባ መልክዕ ጫማኦም ኣዝዮም ዚጭነቑ ሰባት እርኢ እየ። ዋላ እኳ ነዚ ከም ሓደ ንእሽተይ ነገር ጌርና እንተሓሰብናዮ፡ ኹልሻዕ ኣብ ኣወዳት ይኹን ኣብ ኣዋልድ ንርእዮ ነገር እዩ። ስለ’ዚ ጫማና ‘ውን ከይተረፈ ንኽብሪ እግዚኣብሔር ኪንገብሮ ይግበኣና ማለት እዩ። ጥበበኛ ሲራክ ብኣካይዳናን ኣከዳንናናን ንእግዚኣብሔር ደስ ከነብሎ ከም እንኽእል ዝነገረና ቃል እስኪ ሓቢርና ንስምዓዮ “ናይ ሰብ ጠባይ ብኣካይዳኡ ኣከዳድናኡን ኣሰሓሕቓኡን ይፍለጥ” (ሲራ 19፡27)። 

ስለ’ዚ ኣብ ሓድሽ ዓመት ጥራሕ ዘይኮነ ኵሉ ግዜ እንገብሮ ኵሉ ንኽብሪ እግዚኣብሔር እንገብሮ እንተኴና፡ ኣሕዛባዊ ይኹን መናፍቕ ይኹን ከምኡ ‘ውን ፈላስፋ ሓሲብዎ ዘይኮነስ ትም ኢሉ ብኣና ኪማረኽ እዩ። ምምራኽን ምድናቕን እግዚኣብሔር ናብ ምእማን ኪመጽእ እዩ። 

ሓዳርና ‘ውን ንኽብሪ እግዚኣብሔር ኪንገብሮ ይግባእ። መንጻፍና (ኣብ ሓዳር ዚግበር ሥጋዊ ርክብ) ንጹህ ምግባር፡ ሓዳር ንገንዘብ ወይ ንካልእ ምድራዊ ነገር ንምርካብ ዘይኮነ፡ ነፍስና ንምድሓን እግዚኣብሔር ንምርካብ ዚግበር እንተኾይኑ፡ ንኽብሪ እግዚኣብሔር ጌርናዮ ይበሃል። ናይ ሓዳር መጻምድትና  ብመለክዒ ናይ ዘለዓለማዊ ሕይወት እምበር ብመልክዕን ሃብትን ወይ ካልእ ጊዝያዊ ጥቕሚ ዘይንልክዕ እንተኴንና ሓዳርና ንኽብሪ እግዚኣብሔር ዚተገበረ እዩ ይበሃል። ኣብ’ዚ ሓድሽ ኣመት ነዚ ኪንለማመድ ይግበኣና።

እግዚኣብሔር ዚፈትወኩም ንስኻትኩም ‘ውን እትፈትውዎ ደቀይ! እዚ ኵሉ ብዝርዝር ዚነግረኩም ዘለኹ ንምንታይ ይመስለኩም? እዚ ኵሉ ከምዚ ጌረ ዘርዚረ ዚነግረኩም ዘለኹ ኵሉ ዓይነት ምንቅስቓስና ንኽብሪ እግዚኣብሔር ኪንገብሮ ስለ ዝደለኹ እየ። ብባሕሪ እናቋረጹ ዚነግዱ ነጋዶ ንብረቶም ናብ ጫፍ እቲ ከተማ ኣምጺኦም መልሕቅ ጌሮም ምስ ኣትሕዝዎ፡ ተቐዳዲሞም ናብ ናይ ዕዳጋ ቦታ ኣይከዱን እዮም። ናብ ናይ ዕዳጋ ቦታ ቅድሚ ምኻዶም ኣቐዲሞም ብዛዕባ መኽሰቦም እዮም ዚሓስቡን ዚጽብጽቡን። ንሕና ‘ውን ኣብ  ኵሉ ንገብሮ ነገራት ካብ እግዚኣብሔር ንረኽቦ ጥቕሚ ኪንሓሰብ ይግበኣና።

ካባኻትኩም “ኵሉ ንኽብሪ እግዚኣብሔር ኢልካ ምግባር ግን ዚከኣል ኣይኮነን” ዚብል ፈጺሙ ኣይረኸብ። ጫማና እንተመለስና ጸጕርና እንተስተኻኸልና፡ ክዳንና እንተተኸደንና፡ ካብ ሓደ ቦታ ናብ ካልእ ቦታ እንተተጐዓዝና፡ ኣዘራርባና፡ ምእካብና፡ ምውጻእናን ምእታውናን ምምሥጋንና ምግሣፅና ምውቃስና ኮነ ዘይምውቃስና፡ ንሰብ ፈታዊ ወይ ጸላኢ ምግባርና፡ ንኽብሪ እግዚኣብሔር ኪንገብር እንተኽኢልናስ፡ ንሕና እንተፈቒድና ንኽብሪ እግዚኣብሔር ኢልካ ዘይግበር ነገር እንታይ ይተርፍ?

ናይ ቤት ማእሰርቲ ሓላፊ ካብ ምዃን ዚኸብድ እንታይ ኣሎ? ሕይወት ናይ ሓላዊ ቤት ማእሰርቲ ኣዝያ ከባድ ዶ ትመስል ሓቀይ? እንተኾነ ግን ናይ ልቦና ፍቓድ እንተ ድኣ ኣለና፡ ሓላዊ ቤት ማእሰርቲ ኴንካ ‘ውን ኵሉ ነገር ንኽብሪ እግዚኣብሔር ኪትገብሮ ይከኣል እዩ። ንእሱራት ከተድሕን ትኽእል ኢኻ። ብዘይ ኣገባብ ንዝተኣሰሩ ኪትንከባኸብ ትኽእል ኢኻ። ምስቶም ንኑጽሃት ሰባት ብዘይ ኣገባብ ዘሳቕዩ ሰባት ዘይምትሕብባር ትኽእል ኢኻ። ንእሱራት ከም ሓላፊ ዘይኮነ ከም ሓው ወይ ሓውቲ ምግልጋል ይከኣል እዩ። ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ናብ ሃይማኖት ዘምጽኦ ሓላዊ ቤት ማእሰርቲ እንተ ተመልኪትና ከምዚ ዓይነት ሰብ እዩ ኔሩ። (ግ.ሐ 16፡25-40) ስለ’ዚ ኣብ’ዚ ሓድሽ ዓመት ኵሉ ንኽብሪ እግዚኣብሔር ኪንገብሮ እንተደሊና ይከኣለና እዩ ማለት እዩ።

እስኪ ንገሩኒ! ካብ ነፍሲ ምቕታል ንላዕሊ ዚኸፍእ ነገር እንታይ ኣሎ? እንተኾነ ግን በዚ ናይ ነፍሲ ምቕታል ‘ውን ናይ ጽድቂ ሥራሕ ኪሥራሕ ይከኣል እዩ። ኣይትሰንብዱ! ምቕታል ‘ውን ንኽብሪ እግዚኣብሔር ተባሂሉ ኪግበር ይከኣል እዩ።  ካባኻትኩም “ቀታሊ ነፍሲ ከመይ ጌሩ እዩ ነፍሲ ብምቕታሉ ናይ ጽድቂ ሥራሕ ሠሪሑ ተባሂሉ ኪንገረሉ ዚኽእል” ዚብል ሰብ ኪህሉ ይኽእል እዩ። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስና ዚተመዝገበ ሓደ ታሪኽ ኣልዒለ ኪነግረኩም እደሊ ኣለኹ። ሓደ ግዜ ምድያማውያን ምስ እስራኤል ኵናት ንኽገጥሙ ንቑጥዓ እግዚኣብሔር ኣተሳሲኦሞ ኔሮም። ኣብቲ ኵናት ‘ውን ልዕልናኦም ብምርኣይ ናይ እግዚኣብሔር ሰናይ ፍቓድ ከትርፉ ብምሕሳብ፡ ንደቂ ኣንስትዮኦም ኣጸባቢቖም ኣብ ኣፍ ድንኳን ቆይሞም ነበሩ። በዚ ድማ እስራኤላውያን ብዝሙት ክሳብ ምስሓብን ንጣኦት ከም ዚሰግዱ ክሳብ ዚኾኑን በጺሖም ኔሮም። እዚ ጥራሕ ዘይኮነ እስራኤላውያን ሃይማኖተ ኣልባ ኪኾኑ ደልዮም ኔሮም። ፊንሓስ ግን ነዚ ምስ ረኣየ ብኢዱ ሰይፊ ሒዙ፡ ንክልተ ከመንዝሩ ዚተረኽቡ ሰባት ንኸብዶም ብሰይፍ ቀዲዱ ቀተሎም። በዚ ድማ ፍቓድ እግዚኣብሔር እንታይ ከም ዚኾነ ኣረጋጊጹ እዩ። ፊንሓስ ዚገበሮ ነገር ሰብ ምቕታል እዩ። ናይ’ዚ ቅትለት እዚ ዕላማ ግን፡ ንመላእ እስራኤል ንምድሓን እየ ኔሩ። (ዘኁ 25) ፊንሓስ ብዚፈጸሞ ቅትለት ኢዱ ኣይረኸሰን፡ እኳ ድኣ እቲ ነፍሲ ዚቐተለ ፊንሓስ ንእስራኤላውያን ካብ ዝሙት ኣድሒኑ ንጹሃት ገበሮም። ፊንሓስ ነቶም ክልተ ዚቐተሎም ነቶም ዚተረፉ እስራኤላውያን ንምድሓን ድኣ እምበር ጸሊእዎም ኣይኮነን። ንክልቲኦም ጥራሕ ብምቕታል ነቶም ዚተረፉ ብዙሓት እስራኤላውያን ካብ ናይ ነፍስን ሥጋን ካብ ሞት ከድሕኖም ስለ ዝደለየ እዩ። እዚ ድማ ሓኻይም ከም ዚገብርዎ እዩ። ሓኻይም ንሓደ ብቑስሊ ዚመሽመሸ ክፍሊ ናይ ኣካላትና ቆሪጾም ዚድርብይዎ፡ ነቲ ዚተረፈ ክፍሊ ኣካላትና ንምድሓን እዩ። ፊንሓስ ‘ውን ከምዚ እዩ ዚገበረ። ዘማራይ ክቡር ዳዊት ነዚ ኣመልኪቱ ኪዛረብ ከሎ፡ “ሽዑ ፊንሐስ ተንሲኡ ፍትሒ አውጽኤ፣ እቲ መዓት ድማ ዛረየ። እዚ ኸኣ ንሓዋሩ፣ ንውሉድ ወለዶ ጽድቂ ኰይኑ ተቘጽረሉ” (መዝ 106፡30-31) ይብለና። እዚ ማለት ፊንሓስ ዚገበሮ ነገር ትኽክል እዩ እናተባህለ ኪንገረሉ ይነብር ማለት እዩ።

ብተወሳኺ ‘ውን ሓደ ሰብ ብሰንኪ ጸሎቱ ንእግዚኣብሔር ኣቖጢዑ እዩ። ምኽንያቱ ጸሎቱ ንኽብሪ እግዚኣብሔር ዚተገበረ ስለ ዘይነበረ። ንሱ ድማ እቲ ፈሪሳዊ እዩ (ሉቃ 18)፡፡ ፊንሓስ ሰብ ስለ ዝቐተለ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ተቐባልነት ረኸበ። እቲ ፈሪሳዊ ድማ ብኣንጻሩ ስለ ዝጸለየ ንእግዚኣብሔር ኣቖጥዐ። ስለ’ዚ ዚኾነ ዓይነት እንገብሮ ነገራት ዋላ እኳ መንፈሳዊ ይኹን ንኽብሪ እግዚኣብሔር ክሳብ ዘይገበርናዮ ትርፉ ጉድኣት እዩ። ሥጋዊ ሥራሕ እንተሠራሕና ‘ውን ንኽብሪ እግዚኣብሔር ኪንገብሮ ንኽእል ኢና። ሰብ ካብ ምቕታል ንላዕሊ ኣዝዩ ክፉእ ዚኾነ ነገር እንታይ ኣሎ? እንተኾነ ግን እዚ ‘ውን ንኽብሪ እግዚኣብሔር ዝግበር ካብ ኮነ ካብዚ ቅትለት እዚ ‘ውን ጽድቂ ኪርከብ ይኽእል እዩ። ስለ’ዚ ካብ ቀታሊ ነፍሲ እኳ ከምዚ ዓይነት ጽድቂ ካብ ተረኸበ፡ ከመይ ኢልና ድኣ ነፍሲ ወከፍ ግብርና ንኽብሪ እግዚኣብሔር ምግባር ኣይከኣልን እዩ ንብል? ስለ’ዚ ብልብና ፍቓደኛታት እንተኴንና ኵሉ ነገር ንኽብሪ እግዚኣብሔር ምግባር ይከኣለና እዩ። እንተገዛእናን እንተሸጥናን ንኽብሪ እግዚኣብሔር ኪንገብሮ ይከኣለና እዩ። ዋጋኡ ካብ መጠን ዚሓለፈ ዋጋ እናወሰኽና ነቲ ዚሽምት ማሕበረ ሰብ ከየሸገርና ንግድና ንኽብሪ እግዚኣብሔር ኪንገብሮ ንኽእል ኢና። ሓደ ንብረት ሓቢእና ካብ መጠን ንላዕሊ ንኸነኽብሮ ኢልና እንሓብኦ እንተኴንና “ነቲ እኽሉ ዚዐቍር ሰብ ህዝቢ ይረግሞ” ከም ዚተባህለ ንግድና እግዚኣብሔር ዚኸበረሉ ንግዲ ኣይኮነን።(ምሳ 11፡26)

ሓደ ካባኻትኩም “ኣቦና! ሓደ ምሳሌ መሲልካ ኪትምህረና እናኸኣልካ ስለ ምንታይ ኢኻ ኣብ’ዚ ኵሉ ዝርዝር ትኣቱ?” ዚብል ኪህሉ ይኽእል እዩ። ሓደ ናይ ህንጻ በዓል ሞያ ንሓደ ህንጻ ኪሃንጽ ምስ ዚደሊ፡ መሠረት ብምንባር እዩ ዝጅምር። ብድሕሪ እዚ ተራ ብተራ ነቲ ዚተረፈ ክፍሊ ናይ’ቲ ህንጻ ይቕጽሎ። ኣብ መወዳእታ ድማ እቲ ህንጻ ኣዝዩ ዚጸበቐ መታን ኪኸውን ዚተፈላለየ ዘንጸባርቕ ሕብርታት ጌሩ ይዛዝሞ። ንሕና ‘ውን ነዚ ኵሉ ኣቐዲምና ብዝርዝር ምርኣይና “ኣንታ ሓወይ! ውሽጢ ገዛ ረሲሑ እንከሎስ ንምንታይ ኢኻ ግዳማዊ ማዕጾኡ ጥራሕ ንምጽብባቕ ትጨናነቕ? ነፍስኻ ብኃጢአት ረሲሓ እንከላስ ንምንታይ ኢኻ ሥጋኻ ጥራሕ ንምሕጓስ ትጓየ? ኣቐዲምካ ቤትካ (ነፍስኻ) ንምጽብባቕ ዘይትቀዳደም? ኣቐዲምካ ንነፍስኻ ትሓስብ እንተኴንካ ካብ ኢድ ሰብ ዘይኮነ ካብ ኢድ ክርስቶስ ሽመት ሽልማት ኪትቅበል ኢኻ። ኵሉ ግዜ ኣነ ዚገብሮ ነገር እግዚኣብሔር ይኸብረሉ ድዩ? ኢልካ ድኣ ሕሰብ እምበር ካብ ሕጂ (ካብ’ዚ ሓድሽ ዓመት ንደሓር) ትም ኢልካ ብዘልማድ እትመላለስ ኣይትኹን ኢለ እመኽረካ ኣለኹ። ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ኪመኽረና እንከሎ “እምብኣርሲ እንተ በላዕኩም፡ ወይስ እንተ ሰቴኹም፡ ወይስ ዝዀነ ይኹን እንተ ገበርኩም፡ ኲሉ ንኽብሪ ኣምላኽ ግበርዎ” ዚበለና በዚ ምኽንያት ስለ ዚኾነ፡ ኣብ’ዚ ሓድሽ ዓመት ብኵሉ ተግባራትና እግዚኣብሔር ንምኽባር ንዳሎ ኢልና ዚተዛረብናዮ ነዚ መሠረት ሒዝና ኢና። (1ይ ቆሮ 10፡31)

ስለ’ዚ ካብ ሕጂ ንኔው እንተጸለናን እንተጾምናን እንተገሠፅናን ይቕረ እንተበልናን እንተመስገንናን እንተወቐስናን እንተኣተናን እንተወጻናን እንተሸጥናን እንተገዛእናን እንተተዛረብናን ስቕ እንተበልናን ዚኾነ ዓይነት ነገር ኪንገብር ከለና ንኽብሪ እግዚኣብሔር ኪንገብሮ ይግብኣና። ነዚ ዘይጀመርናዮ እንተለና ሓድሽ ዓመት ምኽንያት ብምግባር ሕጂ ንጀምሮ። ንኽብሪ እግዚኣብሔር ዘይንገብሮ እንተኾይኑ ግና ኣይንሥራሕ። ኣብ ማእከል ማኀበር ንኽንዛረብ እንተተደፋፊእና ‘ውን ንዛረብ። ኣብ ዝኸድና ንኺድ ነዛ ናይ’ዚ ሓዋርያ (ናይ ቅዱስ ጳውሎስ) ቃል ኣብ ጽላት ልቦናና ጽሒፍና ሒዝናያ ንኺድ። እዛ ኃይለ ቃል እዚኣ እምበኣር እንገብሮ ኵሉ ንኽብሪ እግዚኣብሔር ኪንገብሮ ከም ዘለና ከተዘኻኽረና እያ። ኵሉ ንገብሮ ንኽብሪ እግዚኣብሔር ንገብሮ እንተኴንና ድማ “ነቶም ዘኽብሩኒ ከኽብሮም እየ” (1ይ ሳሙ 2፡30) ስለ ዝበለ ካብ ኢድ ሰብ ዘይኮነስ ካብ ባዕሉ ካብቲ ናይ ክብሪ በዓል ቤት ካብ ልዑል እግዚኣብሔር ኣብ’ዚ ዓለምን ኣብቲ ዚመጽእ ዓለምን ክብሪ ኪንጎናጸፍ ኢና። በሉ ካብ ሕጂ ንደሓር ክብሪ ናይ ክብሪ ክብርን ኣምልኾን ውዳሴን ንኣምላኽና ንኢየሱስ ክርስቶስ ይግብኦ እዩ እሞ፡ ብቃል ጥራሕ ዘይኮነ ብገቢረ ጽድቅን ምግባር ትሩፋትን ኹልሻዕ ነኽብሮ። ክሳብ ዘለዓለም ኣሜን!!!

Saturday 10 September 2016

ሓድሽ ዓመት ብቅዱስ ዮሕንስ አፈወርቅ 2ይ ክፋል

 † ሓድሽ ዓመት† 
ብምሕት ኣምላኽ ብጸሎት ናይ ኣቦና ቅዱስ ዮሕንስ  ሰማዕትነት ኣየምልጥኩምን ኻልኦትን ብቋንቋ ትግርኛ ተሓቲማትልና ኣላና።
ኣብ ሓድሽ ዓመት እንተ መሃርናን እንተ ገሠፅናን ንኽብሪ እግዚኣብሔር ኪኸውን ኣለዎ። “ንኽብሪ እግዚኣብሔር ኢልካ ምምሥጋንን ምግሣፅን ኪበሃል ከሎ ኸ እንታይ ማለት እዩ?” ኢሉ ዚሓትት ሰብ ይህሉ ይኸውን። ንኣብነት ኣብ ናይ ሥራሕ ቦታና ኮፍ ኢልና ኣለና ንበል። ኣዝዮም ክፍኣት ዚተመልኡ ሰባት ኣብ ቅድሜና ይመላለሱ። እዞም ሰባት እዚኣቶም ብውሽጦም ብቊጥዓ ብትዕቢት ከምኡ ‘ውን ከምዚኦም ብዚኣመሰሉ ካልኦት ክፉኣት ታህዋስያን ዚተመልኡ እዮም። እንተኾነ ግን ኣዝዮም ብክቡር ዋጋ ዚተገዝኡ ክዳውንቲ ተኸዲኖም ኣለዉ። ነቲ ከባቢ ዚእውድ ክቡር ጨና ‘ውን ተቐቢኦም ኣለዉ። ነዚ እናረኣና እንከለና ሓደ ሰብ መጺኡ “ማዕረ ክንደይ ዚተዓደሉ ሰባት ምዃኖም ዶ ርኢኻ? ደስ ኣይብለካን?” ኪብለና ይኽእል እዩ። ከምዚ ዚብለኩም ሰብ ገሥፅዎ ምኸርዎ ወይ ድማ ከይመለስኩምሉ ስቕ በሉ። እንተተኻኢልኩም ሕዘንሉ (ብኸይሉ) ተግሣፅ ንኽብሪ እግዚኣብሔር ምግባር ማለት እምበኣር እዚ እዩ። ተግሣፅ ኪበሃል ከሎ ሰባት ካብቲ ዚነበርዎ ኣተሓሳስባ ወጺኦም ናብቲ ቅኑዕ ኣተሓሳስባ ንኺመጹ ምግባር እዩ። ብድሕሪ’ዚ ንክፍኣት ዘይኮኑ ንምግባር ትሩፋት ንኸድንቑን ንሳቶም ባዕላቶም ነዚ ዚተዳለዉ ንኽኾኑን ምግባር ማለት እዩ ተግሣፅ።

ኣብ ላዕሊ ከም ዚነገርኩኹም “ከመይ ዚተዓደሉ ሰባት ምዃኖም ዶ ርኢኹም?” ንዚብለኩም ሰብ ከምዚ በልዎ “ሓወየ! እዞም ሰባት እዚኣቶም ንዑዳን ክቡራን እትብለኒ ዘለኻ ብምንታይ መለክዒ እዩ?” ኣዝዩ ዘደንቕን ግሩምን ሠረገላ ስለ ዘለዎም? ወይ ብዙሓት ሠራሕተኛታት ስለ ዘመሓድሩ? ኣዝዮም ክቡራት ዚኾኑ ፋሽን ክዳውንቲ ስለ ዚኽደኑ? መዓልቲ መዓልቲ ዚተፈላለዩ ዓይነት መስተ ስለ ዚሰትዩን ብሕንቃቐ ዚተመልአ ሕይወትን ስለ ዚመርሑ ዲኻ? ብሓቂ ብሓቂ እብለካ ኣለኹ! ነዞም ሰባት እዚኣቶም ናይ ዕድመ ዘመን ንብዓት የድልዮም እዩ ኢለ እነግረካ ኣለኹ። ንስኻ ንዓኣቶም ተድንቖም ዘለኻ ኣፍኣዊ ነገራት ብምርኣይ ጥራሕ እዩ። ንስኻ ተድንቖም ዘለኻ ግሩምን ድንቅን ዚኾነ ሠረገላ ወይ ወርቃዊ መጋለቢኦም ወይ ክዳውንቶም ርኢኻ ኢኻ። እዚ ግን ንዓይ ዚተናዕቐ ነገር እዩ። እስከ ንገረኒ! ካብዞም ሰባት እዚኣቶም ንላዕሊ ዝተዋረደ ሰብ መን ኣሎ? ሠረገላ፡ መጋለቢኡ፡ ክዳውንቱን ካልእ ሃብቱን እናተደነቕካሉ እንከለኻ፡ ንሱ ግን ዋላ ሓንቲ ከይተመስገነ እንተ ሞተ ካብኡ ዚኸፍአ ውርደተኛ ሰብ መን ኣሎ? ካብዚ ዓለም ናብቲ ዘይሓልፍ ዓለም ሒዝዎ ዚኸይድ ሃብቲ እንተዘይብሉ፡ ካብዚ ሰብ’ዚ ንላዕሊ ድኻ መን ኣሎ? ብደጊኡ ኪርአ ከሎ ኣዝዩ ጽቡቕ ብውሽጡ ግና ልቕሉቕ መቓብር ካብ ዚኾነ ካብ’ዚ ሰብ እዚ ንላዕሊ ሕሱር ሰብ መን ኣሎ? ናትና ናይ ክርስቲያን ሃብቲ መጋየጺ ወይ ሠራሕተኛታትና ወይ ክዳውንትና ወይ ሠረገላታትና ኣይኮኑን። ናትና ትኽክለኛ ሃብቲ ምግባር ትሩፋትና እዩ። ናትና ሃብቲ ብእግዚኣብሔር ምእማንናን ምትእምማንናን እዩ። 

ብተወሳኺ ‘ውን ሓደ ኣዝዩ ድኻ ብኵሎም የዕሩኽቱ ከም ሓደ ድሑር ዘይማዕበለ ዚቑጸር፡ ግን ከኣ ብምግባር ብትርፉት ዘጌጸ ሰብ እንተርኢኻ፡ እዚ ሰብ እዚ ብሓቂ ንኡድ ክቡር እዩ ኢለ እነግረካ ኣለኹ። ዋላ ሓደ እኳ ኣብ’ዚ ምድሪ ዘፍረዮን ዘጠራቐሞን ሃብቲ እንተዘይብሉ፡ ኣብ ሰማያት ግን ድርብ ሃብቲ ስለ ዘለዎ እዚ ሰብ እዚ ብሓቂ ንኡድ ክቡር እዩ ኢለ እነግረካ ኣለኹ።

እዚ ኣተሓሳስባ ስለ ዝሓዝኩም ጥራሕ የዕሩኽትኹም “እረ በሥሉስ ቅዱስ እዚ ሰብ እዚ እሞ ፈጺሙ ዚተረግመ እዩ” እንተበሉኹም፡ “ብሓቂ ግን ከምዚ ሰብ’ዚ ንኡድ ክቡር የለን። ምኽንያቱ እዚ ሰብ እዚ ፍቕሩ ምስ ሓላፍን ጠፋእን ሃብትን ንብረትን ዘይኮነስ ምስ እግዚኣብሔር እዩ። ዕድሚኡ ምሉእ ዚእክቦ ዚነበረ ሃብቲ፡ ከምዚ ናትና ግዳማዊ ዘይኮነ ጻጸን ነቐዝን ኣብ ዘይረኽብዎ ሰማያዊ ሃብቲ ስለ ዚነበረ ንኡድ ክቡር እዩ። ሃብቲ ናይ’ዚ ሰብ እዚ ብትዕቢት፡ ብቁጥዓ፡ ብጓይላ፡ ብስኻርንን ብካልእ ግብሪ ኃጢኣትን ዘይረስሐ ንጹህ ልቦና ስለ ዝኾነ ንኡድ ክቡር እዩ። እስከ ንገረኒ! እዚ ሰብ’ዚ ኣዝያ እተደንቕ ግርምቲ ሠረገላ፡ ብወርቂ ዚተሰለማ መጋለቢ፡ ኣዝዩ ክቡር ዚኾነ ክዳውንቲ ስለ ዘይብሉ ዚተጎድአ ዶ ይመስለካ? ርስቲ መንግሥተ ሰማያት ካብ ምውራስ ንላዕሊ ካልእ እንታይ ሃብቲ ኣሎ ኢልካ ኪትነግረኒ ትኽእል?” ኢልኩም መልስሉ። 

እግዚኣብሔር ዚፈትወክሙን ንስኻትኩም ‘ውን እትፈትውዎን ደቀይ! ኣብ ሓድሽ ዓመት ጥራሕ ዘይኮነ ኹልሻዕ ከምዚ እግዚኣብሔር ብዚኸብረሉ መንገዲ ንግሥፅ ወይ ነመስግን እንተኴንና ሽመትናን ሽልማትናን ብዙሕ እዩ። 

ደቀየ! እዚ ኵሉ ዚነግረኩም ዘለኹ ትም ኢለ ስምዒትኩም ንምርዋይ ኣይኮነን። የግዳስ ኣብ ሓድሽ ዓመት ጥራሕ ዘይኮነስ ኵሉ መዓልቲ ኣተሓሳስባና ከምዚ ጌርና እንተኣስተኻኺልናዮን፡ ንሕና ‘ውን ከምኡ ብምግባረ ትሩፋት ንምስላም ንቀዳደም እንተኴንና ሽመት ሽልማትና ብዙሕን ናይ ብዙሕ ብዙሕን ከም ዚኾነ ንኽትፈልጡ ኢለ እየ። ነቢይ እግዚኣብሔር ክቡር ዳዊት ብዛዕባ’ዚ ጉዳይ እንታይ ከም ዚብል እስከ ሓቢርና ንስምዓዮ “ብልሳኑ ዘይሐሚ፣ ንመሓዛኡ ገለ ኽፉእ ዘይገብሮ፣ ንብጻዩ ዘይጸርፎ፣ እቲ ጽዩፍ ንዑቕ ኰይኑ ዚረአዮ፣ ንፈራህቲ እግዚኣብሔር ግና ዜኽብሮም፣ ዚጐድኦ እኳ እንተ ዀነ፣ ነቲ ዝመሐለሉ ዘይልውጦ፣ ገንዘቡ ብሓረጣ ዘይህብ፣ ንጕድኣት ንጹህ ከኣ መማለጃ ዘይቕበል፣ እቲ ኸምዚ ዚገብርሲ ንዘለአለም ኣይናወጽን እዩ” (መዝ 15፡3-5)፡፡ 

እዚ ማለት ድማ ንክፍኣት ብምጽያፍ ንጽቡቕ ድማ ብምምሥጋን ንእግዚኣብሔር ዘኽብር ሰብ ነፍሱ ንዘለዓለም ኣይትናወጽን እያ ማለቱ እዩ። ብተወሳኺ ‘ውን እዚ ክቡር ዳዊት ኣብ ካልእ ቦታ ከምዚ ይብል “ኦ ጐይታይ ፈተውትኻ ብኣይ ኣዝዮም ንኡዳን ክቡራን እዮም! ካብቶም ኣቐዲሞም ዚነበሩ ንላዕሊ ድማ እዚኣቶም ፈጺሞም ጸንዑ!” (መዝ 139፡17)፡፡ 

ነቲ እግዚኣብሔር ዘኽበሮ ግን ኣይትገሥፁ። ምኽንያቱ እግዚኣብሔር ብጽድቅን ብቕድስናን ህያዋን ንዝኾኑ የኽብር እዩ። ብኣረኣእያ ደቂ ሰባት ኣብ’ዚ ኣለዉ ዘይበሃሉ ድኻታት እኳ እንተኾኑ፡ ብእግዚኣብሔር ግን ንኡዳን ክቡራን ስለ ዚኾኑ ነዚኣቶም ኣይትገሥፅዎም። ነቲ እግዚኣብሔር ዘየኽብር ግን ገሥፅዎ። ዋላ እኳ ኣብ ልዕሊ ወርቂ ቆይሙ ኣብ ልዕሊ ወርቂ ‘ውን እንተደቀሰ፡ ምግባር ትሩፋት ከይሓዘ ኣብ ገቢረ ኃጢአት ንዝጸንዐ፡ ንዚመጽእ ዓመት ‘ውን ከምኡ ንኽቕጽል ዚመደበ ሰብ ግን ገሥፅዎ። ብሕጽር ዝበለ ከተመስግኑ ከለኹምን ኪትግሥፁ ከለኹምን ንኽብሪ እግዚኣብሔር ግበርዎ። ሓድሽ ዓመት ምኽባር ማለት ከምዚ ብኩለንትናና ሓድሽ ሰብ ኴንና ምድላው ማለት እዩ። 

ንእግዚኣብሔር ኢልካ ሰብ ምውቃስ ‘ውን ኣሎ፡ ካባኻትኩም፡- “ከመይ ማለት እዩ? ርግጽ እዩ ብዙሕ ግዜ ንሠራሕተኛታትና ንወቅስ ኢና። ንክብሪ እግዚኣብሔር ኢልካ ምውቃስ ግን ከመይ ዚበለ እዩ?” ዚብል ሰብ ኪህሉ ይኽእል እዩ። እወ! ዚሰክር ወይ ዚሰርቕ ሠራሕተኛ ወይ ብጻይ ምስ እንርኢ። ወይ ሓደ ካብ ኣዝማድና ናብ ትርኢት ወይ ንነፍሱ ዋላ ሓንቲ ጥቕሚ ናብ ዘይረኽበሉ ቦታታት ክጎዪ፡ ናይ ሓሶት ምስክርነት ክህብ፡ ወይ ክሕሱ ወይ ክቑጣዕ እናረኣናዮ ሕቖና እንተሂብናዮን እንተገሢፅናዮን፡ ወቐሳና ንኽብሪ እግዚኣብሔር ዝተገበረ እዩ ይበሃል። 

ብተወሳኺ ‘ውን ሓደ ሰብ እንተበደለና እሞ ንሱ ባዕሉ ብዘምጽኦ ጥፍኣት ብኣና እንተኣመኻነየ፡ ምእንቲ እግዚኣብሔር ኢልና ይቕረ ክንብል ይግባእ። ብዙሓት ግን ንኣዕሩኽትናን ንሠራሕተኛታትናን እንገብሮም ብኣንጻሩ እዩ። ኣዕሩኽትና ወይ ሠራሕተኛታትና እንተ በዲሎምና ንበሳጮ ይቕሬታ ዘይብሎ ፍርዲ ድማ ንፈርዶም። ንሕና ንርእስና ንእግዚኣብሔር ኪንጸርፎን ከነጽርፎን ከለና ወይ ነፍስና ኪንጎድእ ከለና ግን ከም በድል ኣይንቖጽሮን ኢና። እዚ ግና ኣብ’ዚ ሓድሽ ዓመት ከነስተኻኽሎ ዚግበኣና ነገር እዩ። መዓልቲ መዓልቲ ኪንለማመዶ ‘ውን ይግበኣና። 

ንዝበደሉና ሰባት ፈተውቲና ኪንገብሮም ከ ይግባእ ዶ? እወ! ንክብሪ እግዚኣብሔር ኢልና ንዝበደሉና ሰባት ፈተውትና ኪንገብሮም ይግባእ። ንክብሪ እግዚኣብሔር ኢልካ ሰብ ጸላኢ ምግባር ከ? እወ! እዚ ‘ውን ይከኣል እዩ። ንምዃኑ ንኽብሪ እግዚኣብሔር ኢልካ ንሰብ ፈታውን ጸላእን ምግባር ማለት እንታይ ማለት እዩ? ሰብ ፈታዊ ምግባር ኪበሃል ከሎ ነቲ ሰብ ካብ ገንዘብና መኣድና ከም ዝካፈል ኣባና ከም ዝድገፍ ምግባር ማለት ኣይኮነን። ንሓደ ሰብ ሓቀኛታት ፈተውቲ ኴንናዮ ወይ ሓቀኛ ፈታዊ ጌርናዮ፡ ዚበሃል ነፍሱ ንኸይጉዳእ ምስ ንግሥፆን ምስ ንመኽሮን፡ እንተበደለ (ብምብዳሉ ዚጉዳእ ንሱ ባዕሉ ስለ ዝኾነ) ከም ጸላኢ ዘይኮነ ከም ፈታዊ ቅርብ ኢልና እቲ ዘርብሖ እንተነገርናዮ፡ ካብ’ቲ ዚወደቐሉ ናይ ኃጢአት ዓዘቕቲ ምስ ነልዕሎ፡ ነዚ ድማ ኹልሻዕ ብጸሎት ብጾም ብስግደት ምጽዋት ብስሙ ብምሃብ ምስ ንሕግዞን ናብ እግዚኣብሔር ከም ዚቐርብ ምስ ንገብሮን እዩ። 

ንኽብሪ እግዚኣብሔር ኢልካ ንሰብ ጸላኢ ምግባር ‘ውን ይፍቀድ እዩ። ነዚ ተግባር እዚ ቅድሚ ሕጂ ዘይገበርናዮ እንተኔርና፡ ካብ ሕጂ ጀሚርና ካብ’ዚ ሓድሽ ዓመት ኪንጅምር ንኽእል ኢና፤ ንኽብሪ እግዚኣብሔር ኪንብል ንሰብ ጸላኢ ምግባር። ንኣብነት ሓደ ክፍኣት ዚተመልአ ሰብ፡ ኵሉ ዘረባኡ (ትምህርቱ) ብመርዚ ናይ ምንፍቕና ዚተለወሰ፡ ኹልሻዕ ንነፍስና ዚጎድኣን ዚህውኻን ሰብ ምስ ዝህሉ፡ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ “ሓንቲ ዓይንኻ ምስ እተሰናኽለካ ካባኻ ኣውጺእካ ደርብያ” ከም ዝበሎ (ማቴ 5፡29) ነዞም ሰባት እዚኣቶም ምርሓቕን ጸላኢ ምግባርን ይፍቀድ እዩ። ዋላ ሓደ እኳ ከም የማነይቲ ዓይኒና እንርእዮም ፈተውትና ኣዕሩኽትና እንተኾኑ ንነፍስና ዝጎድኡ ምስ ዝኾኑ ካባና ከነርሕቖም ይግባእ። 

ምዝራብናን ስቕ ምባልናን ’ውን ንኽብሪ እግዚኣብሔር ኪንገብሮ ይግባእ። ንኽብሪ እግዚኣብሔር ኢልካ ምዝራብ ማለት ከ እንታይ ማለት እዩ? ንኣብነት ምስ ሓደ ዓርክና ኮፍ ኢልና ኪንጻወት ከለና፡ “መን ናብ ሥልጣን ደይቡ? መን ከ ወሪዱ? መን ሓሊፉ? መን እንታይ ክብሪ ረኺቡ? እናበልና ካብ ንጻወት፡ ብዛዕባ ነገረ ሃይማኖት ብዛዕባ ገሃነመ እሳት፡ ብዛዕባ መንግሥተ ሰማያት እንተድኣ አዕሊልና ዕላልና ጥቕሚ ይህልዎ። ንነፍስና ብዘይጠቕማ ነገር ስለ ዘየጨነቕናያ። እዚ ከምዚ ዓይነት ሕብረት እንተዘይገዲፍናዮ እኳ ኣይጎድኣናን እዩ። እዚ ኵሉ ምግባርና ድማ ኣብ’ታ መወዳእታ ዕለት ዓቢ ጥቕሚ ይህበና። ስለ’ዚ ንነፍስና ዋላ ሓንቲ ጥቕሚ ኣብ ዘይብሉ ኣኼባታትን ኮፍ ምባልን ምዝራብን ንዓና ጉድኣት እምበር ጥቕሚ የብሉን። ነዚ ናይ ከም’ዚ ዓይነት ኣኼባ መንፈስ ለዊጥካ ብዛዕባ ነገረ እግዚኣብሔር ምዕላል ንኽብሪ እግዚኣብሔር ጌርናዮ ይበሃል። ስቕታና ‘ውን ንኽብሪ እግዚኣብሔር ኪኸውን ይግብኦ። ዋላ ሓንቲ ከይበደልናዮ ክፉእ ንዚገብረና ሰብ፡ ከይወቐስናዮን ከየጕረምረምናሉን ብትዕግሥቲ ስቕ ምስ ንብል፡ ስቕታና ንኽብሪ እግዚኣብሔር ዚተገበረ እዩ ይበሃል። ኣርምሞ ማለት ግን ብዘረባ ዘይተዘረበ ኃጢኣት ኣብ ልቢ ምቕማጥ ማለት ኣይኮነን።

ምምሥጋንን ምግሣፅን ኣብ ገዛ ምዃንን ዘይምዃንን ወይ ምዝራብን ኣርምሞን ጥራሕ ዘይኮነ፡ ሓዘንናን ሓጎስናን ‘ውን ንኽብሪ እግዚኣብሔር ኪንገብሮ ይግበኣና። ሓደ ሓውና ኃጢአት እናሠርሐ ምስ እንርእዮ፡ ንሕና ባዕልና ‘ውን ኣብ በደል ምስ ንወድቕ እሞ ምስ ንሓዝንን ምስ ንነብዕን፡ ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ “ማለት፥ ጓሂ ከም ፍቓድ ኣምላኽሲ ንምድሓን ዚኸውን ዘይትጠዓሰሉ ንስሓ የምጽእ፡ ጓሂ ዓለም ግና ሞት እዩ ዜምጽእ” (2ይ ቆሮ 7፡10) ከም ዚበሎ ሓዘንና ንኽብሪ እግዚኣብሔር ዚተገበረ ሓዘን ይበሃል። ሓደ ሓውና ጽቡቕ ነገር ኪረክብ ከሎ ልክዕ ንዓና ከም ዚተገበረ ጌርና ንእግዚኣብሔር ምስ ነመስግን፡ ሓጎስና ንኽብሪ እግዚኣብሔር ዚተገበረ ሓጎስ ይበሃል። ካብ’ዚ ሓጎስ እዚ ድማ ኣዝዩ ብዙሕ ጥቕሚ ኢና ንረኽበሉ። ስለ’ዚ! ነዚ ኣብ’ዚ ሓድሽ ዓመት ንለማመዶ!!! 

ብናይ ሓው ሓጎስ ኪሕጎስ ኣብ ክንዲ ዚግባእ ሓው ስለ ዚተጠቐመ ጥራሕ ብቅንኣት ካብ ዚነድድ ሰብ ዘሕዝን ሰብ መን ኣሎ? እስኪ ንገሩኒ! ብናይ ሓዉ ሓጎስ ብምሕዛኑ ናይ እግዚኣብሔር ፍርዲ ኣብ ርእሱ ብምኽዓው ብነፍስን ብሥጋን ንባዕሉ ካብ ዚጎድእ ቀናእ ሰብ ንላዕሊ ዘሕዝን ፍጥረት መን ኣሎ? ሓውና ስለ ዚተጠቐመ እንተ ኣመስገንና ወይ እንተተሓጎስና፡ ሓውና ስለ ዝተጎድአ ድማ እንተሓዘንናን አንተ በኼናን፡ እዚ ንኽብሪ እግዚኣብሔር ኢልና ምስ እንገብሮ ዶ ኸ ኣይምተጠቐምናን?

Friday 9 September 2016

ሓድሽ ዓመት ብቅዱስ ዮሕንስ አፈወርቅ 1ይ ክፋል

† ሓድሽ ዓመት† 

ዚተፈተኹም ደቀይ! ሓድሽ ዓመት ናይ ሓጎስን ናይ ሰላምን ናይ ጥዕናን ኪኾነልኩም ዶ ትደልዩ? ትደልዩ እንተኾይንኩምሲ ገና ካብ መጀመርያኡ ብስኻርን ብደርፊ (ብጓይላ) ኃጢአት ብምሥራሕን ከተሕልፍዎ ኢልኩም መደባት ኣይትስርዑ። ናይ ሓድሽ ዓመት ናይ መጀመርያ ዕለት ጥራሕ ዘይኮነስ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ’ውን ብገቢረ ኃጢኣት ኣይትጀምርዎ። ንእግዚኣብሔር ደስ ዘብሎ ምግባር ትሩፋት ብምሥራሕ ድኣ አሐዱ በሉ እምበር። ዕለታት ክፉኣት ወይስ ጽቡቓት ዚኾኑ ብተፈጥሮኦም ከምኡ ስለ ዚኾኑ ኮይኖም ኣይኮነን። ነቲ ዕለት ክፉእ ወይስ ጽቡቕ ከም ዚኸውን ንገብሮ ንሕና ኢና። ናይ ዚሓለፈ ዓመት ሠሉስ ካብ ናይ ሎሚ ዓመት ሠሉስ ፍልይቲ ኣይኮነትን። ፍሉይ ኪገብራ ዚኽእል ናትና ብርትዐ ወይ ስንፍና ጥራሕ እዩ። ናይ ጽድቂ ሥራሕ ንሠርሓሉ እንተኴንና ሓድሽ ዕለት ጥራሕ ዘይኮነ ሓድሽ ዓመት ‘ውን ንዓና ጽቡቕ እዩ። ኃጢአት ንሠርሓሉ እንተኴንና ግና እታ ዕለት ጥራሕ ዘይኮነት ሓድሽ ዓመት ብምሉኡ ንዓና ክፉእን መከራ ዚመልኦን ይኾነና። ንሓድሽ ዓመት ብጽቡቕ ተግባር ንጅምሮ እንተኴንና ኣብቲ ዓመት ሙሉእ ኣብ እንገብሮ ኵሉ ዓይነት ተግባርና ጽቡቕ ተጽዕኖ የሕድረልና። ብትግሃ ሌሊት ብቀዊም ብጾም ብጸሎት ንኽንብርትዕ ደማ ስንቂ ይኾነና። ብስኻርን ብደርፊ (ብጓይላ) ብሓዘን እንተጀሚርናዮ ግን ዓመት ብምልእታ ዚተበላሸወ ክፉእ ሕይወት ኢና ነሕልፍ። ሕይወትና ብከንቱ ንውድእ፡ ዲያብሎስ ‘ውን ነዚ ኣንዳዕዲዑ ስለ ዚፈልጥ ነዚ ሓድሽ ዓመት በገቢረ ኃጢኣት (ኃጢአት ብምሥራሕ) ንኽንጅምሮ የነቓቕሓናን ይደፋፍኣናን ኣሎ። ንፍቓድና ኣጥፊኡ ዓይነ ልቦናና ኣዕዊሩ ብስኻርን ብጓይላን ብኣውያትን ንኽንጅምሮ ብዚተፈላለየ መንገዲ ይጉስጉስ ኣሎ።

ሰነፍ ሰብ “ዚኾነ መዓልቲ ጽቡቕ ወይስ ክፉእ ዚኸውን ብናተይ ምኽንያት ኣይኮነን” ኢሉ ይኣምን። ከምዚ ስለ ዚኣምን ድማ ኣብቲ ንሱ ክፉእ ዕለት ኢሉ ዚጽውዖ መዓልቲ እኳ ገቢረ ጽድቅ (ጽድቂ ምግባር) ከም ዚከኣል ኣይሓስብን እዩ። ዋላ እኳ ጽድቂ እንተ ገበረ ትርጉም ዘይብሉ ጌሩ ይቖጽሮ። ናይ ጽድቂ ሥራሕ ንምሥራሕ ኣብ ዚተመቻችኣሉ ግዜ ‘ውን ካብ ስንፍናኡ ዚተላዕለ ምግባር ትሩፋት ንምሥራሕ ኣይቀዳደምን እዩ። ስንፍናኡ እንታይ ዓይነት ጉድኣት ከም ዘምጽኣሉ ኣይርዳእን። ድሕነቱ ከይፈጸመ ዕድሚኡ ብከንቱ ይውስኽ። ከምዚ ዚበለ ናይ ሥጋን ናይ ነፍስን ጉድኣት መታን ኪረኽቦ ኢሉ ዲያብሎስ ዓይነ ልቦናኡ ስለ ዚደፈነሉ ካብ መጻወድያ ኣጋንንቲ ንምህዳም ዓቕሚ ይስእን።

ዲያብሎስ መዓልቲ መዓልቲ ነዚ ንኸይነስተውዕል፡ ብዚተፈላለዩ ናይ መጻወድያ መንገድታት ንዓና ንምድርባይ ይጓየ። ሓደ ካብቶም ዚጥቀመሎም መንገድታት ‘ውን ብዛዕባ ክርስቲያናዊ ሕይወትና ዕሽሽ ኽንብል ምግባር እዩ። በዚ ድማ ክርስቲያናዊ ተፈጥሮና የስእነና። ሥራሕ እግዚኣብሔር ብግብርና ከም እንጸርፍ ይገብረና። ንነፍስና ድማ ኣብ ረሳሕ ቦታ ተደፊና ከም ትተርፍ ይገበራ።

ዚተፈተኹም ደቀይ! ንሕና ግን ነዚ ኪንፈልጥን ኪንርዳእን ይግበኣና። ኣብ’ዚ ዓለም ብዘይካ ኃጢኣት ክፉእ ነገር ከም ዘየለ ኪንፈልጥ ኪንርዳእ ይግበኣና። ካብ ምግባር ትሩፋት ንላዕሊ ጽድቂ ከም ዘየለ ኪንፈልጥን ኪንርዳእን ድማ ይግበኣና። በዚ ድማ ኹልሻዕ ንእግዚኣብሔር ደስ እናኣበልናዮ ኪንነብር ከም ዚግበኣና ኪንፈልጥን ኪንርዳእን ይግበኣና።

መስተ ሓጎስ ኣየምጽእን እዩ። ሓጎስ ዘምጽእ ጸሎት እዩ። ሓጎስ ቃለ እግዚኣብሔር ካብ ምስማዕ ድኣ እምበር ካብ መስተ ኣይኮንናን ንረኽቦ። ስኽራን ንነፍሲ ዚህውኽ ነገራት የምጽእ፡ ቃለ እግዚአብሔረ ምስማዕ ግን ተመስጦ የምጽእ። ስኽራን ህውከት የምጽእ፤ ቃሉ ምስማዕ ግን ንህውከት የርሕቕ። ስኻር ዓይነ ልቦናኻ የጸልምት፡ ቃለ እግዚኣብሔር ግን ዚጸልመተ ዓይነ ልቦና የብርህ። ስኻር ናይ ኃጢአት ጽዕነት ሒዙ ይመጽእ፡ ቃለ እግዚኣብሔር ግን ሓደስቲ ዚመጽኡ ኃጢኣታት ጥራሕ ዘይኮነ፡ ንዚነበሩ ኃጢኣታት ‘ውን የርሕቕ።

እዞም ደቀይ! ነዚ ዓለም እዚ ንዒቕካ ንሰማያዊ ሓጎስ ካብ ምምናይ ዚዓቢ ጥበብ ዋላ ሓንቲ የለን ኢለ እነግረኩም ኣለኹ። ነዚ ገንዘብና እንተጌርናዮ ንሰማያዊ ሕይወትና ቀዳምነት እንተሂብናዮ ናይዚ ዓለም ነገር እንተተረፈ ‘ውን ኣይከፍኣናን እዩ። ሓደ ሰብ በዓል ጸጋ (ሃብታም) እንተኾነ ቅንኣት ኣይሕዘናን እዩ። ዋላ ሓደ እኳ ምድራዊ ሃብቲ እንተዘይብልና ድኻታት ኢና ኢልና ግን ኣይንሓስብን (ኣይንሽገርን) ኢና። ነቲ በዓል ጸጋ ክርስቶስ ዚሓዘ ሰብከ ከመይ ጌሩ ድኻ ይበሃል? ኣብ ዓመት ሓደ ግዜ ጥራሕ ዘይኮነስ ዕለት ዕለት በዓል ምግባር እምበኣር እዚ እዩ።

እግዚኣብሔር ዘፍቅረኩምን ንእግዚኣብሔር እተፍቅርዎን ደቀይ! ሓደ ክርስቲያን በዓል ከኽብር ከሎ ሰሙን ወይ ወርሒ ወይ ዓመት ተጸብዩ ኣይኮነን ከብዕል ዘለዎ ኢለ እመኽረኩም ኣለኹ። ምስ ክርስቲያናዊ ተፈጥሮ ከም ዚሰማማዕ ጌሩ ድኣ ዕለት ዕለት በዓል ከብዕል ይግብኦ። ምስ ክርስቲያናዊ ተፈጥሮ ዚሰማማዕ በዓል ይግበር ማለተይ’ሲ እንታይ ማለተይ እዩ? እስኪ ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ እንታይ ከም ዚብለና ሓቢርና ንስምዓዮ “ስለዚ ብናይ ገርህነትን ሓቅን ብዘይመጸጸ እንጌራ በዓል ነብዕል እምበር፡ በቲ ኣረጊት ማይ ብሑቝ ወይስ ብማይ ብሑቝ እከይን ሕሰምን ኣይኰነን” (1ይ ቆሮ 5፡8)፡፡

ንጽሃ ልቡና ዚሓዘ ሰብ ዕለት ዕለት እዩ በዓል ዘኽብር። ተስፋ መንግሥተ ሰማያት ዚተሓለወሉ እዩ። ካብ ሰማያዊ መኣድን መስተን ተኻፊሉ ደስ ይብሎ። ኣብ’ዚ ምድሪ ዚከናወኑ ጊዝያውያን ነገራት ስለ ዚተረፍዎ፡ ዋላ ሓንቲ ነገር ከም ዚተረፎ ጌሩ ኣይሓስብን እዩ። ምኽንያቱ ንሱ ዚረኸቦ ካብዚ ኣዝዩ ዚሓሸ ስለ ዚኾነ። ነፍሱ ካብ ዘርስሑ ገቢረ ኃጢኣታት ነብሱ ይሕሉ። ኣብ ምግባር ኃጢኣት ተዋፊርና እንከለና ሽሕ ግዜ በዓል እንተኽበርና ግን በዓል ከም ዘኽበርና ጌርና ኪንቆጽሮ ኣይግባእን። ዘኽበርናዮ ናይ በዓል መዓልቲ ዘይኮነ ናይ ሓዘን መዓልቲ እዩ። ነፍሰይ ብኣርዑት ኃጢአት ተታሒዛ ኣብ ውሽጢ ጸልማት እናሃለወት፡ ናይ ሓጎስ መዓልቲ እንተኽበርኩ ንዓይ እንታይ ጥቕሚ የምጽኣለይ?

እግዚኣብሔር ዚፈትወኩም ንስኻትኩም ‘ውን እትፈትውዎ ደቀይ! ሓድሽ ዓመት ናይ ብሓቂ ሓድሽ ዓመት ኪኾነልኩም እንተደሊኹም ነፍስኹም ካብ ናይ ኃጢኣት ኣርዑት ኣላቕቕዋ እምበር መሊስኩም ኣርዑት ኃጢኣት ኣይትጽዓንዋ። ኣረጊት ዓመት ከም ዚሓለፈ ኪትርእዩ ከለኹም ንእግዚኣብሔር ኣመስግንዎ። ልቦናኹም ‘ውን ውቐስዎ። ናብ ካልእ ዘመን  ስለ ዘሰጋገረኩም ንእግዚኣብሔር ኣመስግንዎ። ንልቦናኹም ድማ ውቐስዎ። ኣብ ዕድሜኹም ክንደይ ግዜ ይሓልፍ ከም ዘሎ ሓሲብኩም ንነብስኹም ከምዚ እናበልኩም ሕተትዋ “መዓልታት ይጎዩ ኣለዉ፡ ዓመታት ‘ውን ይነጕዱ ኣለዉ ናይ ዕድመይ መንገዲ ‘ውን ይፋረቕ ኣሎ። እሞኸ ድኣ እንታይ ጽቡቕ ምግባር ሒዘ ኣለኹ? ካብዚ ምድሪ ዚሓልፈሉ መዓልቲ ይቐርብ ኣሎ፡ እሞኸ እንታይ ናይ ጽድቂ ሥራሕ ሠሪሐ? ኣብ’ዚ ዕድመይ እዚ ኪገብሮ ዚግበኣኒ ምግባር ትሩፋት ዕድመይ ምስ ደፍአ ኪገብሮ ኣይክእልን እየ። እሞኸ ዕድመይ ምስ ደፍአ ኪገብሮም ዘይክእል ናይ ጽድቂ ተግባራት ብዓቕመይ ይሠርሕ ዶ ኣለኹ?

ኦ ፍቱዋተይ! ሓድሽ ዓመት ኪመጽእ ከሎ ነዞም ነገራት እዚኣቶም፡ ብጥንቃቐ ኪንሓስበሎም ይግባእ። ከምዚ እናገበርና ድማ ብዛዕባ ዚመጽእ ዓመት ንሕሰብ። ከምዚ ንገብር እንተኴንና “መዓልታቶም ብከንቱ ተወድኡ፡ ዓመታቶም ‘ውን ብታህዋኽ” ኣይበሃለልናን እዩ (መዝ.78፡3)። እምበአር ከስ መዓልቲ መዓልቲ በዓል ንግበር ኢለ ዚነገርኩኹም እዚ እዩ።

ናትና በዓል ኹልሻዕ ኪኸውን ይግብኦ። ናይ ክርስቲያናት በዓል ብዓመታትን ብመዓልታትን ጥራሕ ኪውሰን የብሉን። ቤተ ክርስቲያን ‘ውን ሰሙናዊ ወርሓዊ ከምኡ ‘ውን ዓመታዊ ዚኽበሩ በዓላት ምግባራ ኹልሻዕ ካብዚኦም ኪንርሕቕ ከም ዘይግበኣና ምዝኽኻራ እዩ እምበር ካልእ ኣይኮነን። ኒዚ በዓል በብመዓልቱ ምብዓል ንኹሉ ሰብ ይከኣሎ እዩ። ንድኻ ይኹን ንበዓል ጸጋ ይከኣል እዩ። በዓል ምግባር (ናይ ጽድቂ ሥራሕ ሠሪሕካ ንምሕጓስ) ቅኑዕ ልቦና ድኣ እምበር ገንዘብ ኣይኮነን ዘድሊ። ኣንታ ሓወይ ገንዘብ ድዩ ዘይብልካ? ፈሪሃ እግዚኣብሔር ገንዘብካ ግበሮ። ንፈሪሃ እግዚኣብሔር ገንዘብካ እንተጌርካዮ ካብቶም ገንዘብ ዘለዎም ንላዕሊ በዓል ጸጋ ንስኻ ኢኻ። ከመይ ጌረ? ትብለኒ ትኸውን። ኣነ ድማ ከምዚ ኢል እምልሰልካ፡ “ናይዚኣቶም (ናይዞም ሰብ ጸጋ) ገንዘብ ዚውዳእ እዩ፡ ናትካ ግን ጻጸን ቁንቁነን ኣይበልዖን እዩ፡ ግዜ ኣይልውጦን እዩ ኣይውዳእን እዩ። ናብ ሰማያት ናብ ሰማየ ሰማያት ናብ ምድሪ ናብ ኣየራት ናብ ዓይነት እንስሳታት ናብቶም ናይ ብዙሕ ብዙሕ ዚኾኑ ዕፀዋት ናብ ጠቕላላ ደቂቀ ኣዳም፡ ናብ መላእኽቲ ናብ ሊቃነ መላእኽቲ ናብ ኀይላት ተመልከት። እዞም ኵሎም እዚኣቶም ናይ ኣምላኽካ ፍጥረታት እዮም። ናይቲ ናይዚኣቶም ኣምላኽን መጋብን ዚኾነ (እግዚኣብሔር) ባርያ ምዃን ድማ ድኻ ምዃን ስለ ዘይኮነ ድኻ ኣይኮንካን ኢለ እነግረካ ኣለኹ።”

ኦ ፍቱወይ! መዓልታት ቆጺርካ በዓል ምኽባር ናይ ኣህዛብ ግብሪ ድኣ እምበር ናይ ክርስቲያን ግብሪ ኣይኮነን። ከመይ’ሲ ናይ ክርስቲያን ተፈጥሮ ብመዓልታትን ብኣዋርሕን ዚተገደበ ስለ ዘይኮነ። ሃገርና ኣብ ሰማይ እዩ ግብርና ‘ውን ሰማያዊ እዩ። ሕብረትና ‘ውን ምስ ሰማያውያን መላእኽቲ እዩ። ኣብኡ መዓልቲ ንለይቲ ስፍራኡ ኣይለቅቕን እዩ። ለይቲ ‘ውን ብተራኡ ንመዓልቲ ስፍራኡ ኣይለቅቕን። ኣብኡ (ኣብ መንግሥተ ሰማይ) ኵሉ ግዜ መዓልቲ እዩ። ኣብኡ ኵሉ ግዜ ብርሃን እዩ። ኣብኡ ኵሉ ግዜ ምንጽብራቕ እዩ። ስለዚ “ደጊም ምስ ክርስቶስ ተንሲእኩም እንተ ዄንኩምሲ፡ ነቲ ክርስቶስ ኣብ የማን ኣምላኽ ተቐሚጥዎ ዘሎ፡ ነቲ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ድለዩ” (ቆሎ.3፡1) ከም ዚተበሃልና ኵሉ ግዜ ነዚ ኪንሓስብ ይግበኣና። ክርስቲያን ተፈጥሮና ካብዚ ምድራዊ ኣቆጻጽራ ንላዕሊ እዩ። ብንጽህናን ብቅድስናን እናነበርና ኹልሻዕ በዓል እነኽብር እንተኴንና ናይ’ዚ ዓለም ለይቲ ንዓና መዓልቲ ድኣ እምበር ለይቲ ኣይኮነን። ዕድመና ብምልኡ ብገቢረ ኃጢአት ብስኻርን ብጓይላ (ብደርፊ) ነሕልፎ እነተኴንና ግን እቲ መዓልቲ ‘ውን ንዓና መዓልቲ ዘይኮነስ ለይቲ እዩ። ዋላ እኳ ፀሓይ እንተወጸት ልቦናና ግን ገና ኣብ ድቕድቕ ጸልማት ስለ ዘሎ እቲ መዓልቲ ንዓና መዓልቲ ከም ዚኾነ ኣይቁጸርን።

ካብ ገቢረ ኃጢኣት ከይወጻኻ ሓድሽ ዓመት ምስ መጸ ምሕጓስ፡ ብዙሕ መብልዕን መስተን ምድላውን ሓድሽ ክዳን ምኽዳንን ጥቕሚ የብሉን። ነፍስና ብኃጢአት እናተጨነቐት ጠምያን ጸሚኣን እንከላ ዚረስሐ ናይ ኃጢአት ክዳን ተኸዲና እንከላ ሓድሽ ዓመት ምኽባር ንዓና ዋላ ሓንቲ ጥቕሚ ኣይህበናን እዩ እናበልኩ እነግረኩም ኣለኹ። ከምዚ ካብ ገቢረ ኃጢአት ከይወጸኻ ሓድሽ ዓመት ምኽባር ማለት ንዓይ ከም ቆልዑ ገዛ ገዛ ምጽዋት ማለት እዩ። ክርስቶስ ካብ’ዚ ሥራሕ እዚ ኣውጺኡና እዩ። ካብ ሕፃንነት ኣእምሮ ናብ ፍልጠት ኣሰጋጊሩና እዩ። ካብ ምድራውያን ፈልዩ ምስ ሰማያውያን ሓዋዊስና እዩ። ስለዚ ኣብ ሓድሽ ዓመት “ነቲ ጽቡቕ ኣካይዳኹም ርእዮም ነቲ ናይ ሰማይ ኣቦኹም መታን ከመስግንዎ ብርሃንኩም ኣብ ቅድሚ ሰብ ይብራህ” (ማቴ 5፡16)። እዚ ተስፋ መንግሥተ ሰማያት ዘርክብ እዩ።

ኦ ፍቱወይ! ውሽጢ ገዛ ረሲሑ እንከሎ ነቲ ናይ ደገ ማዕጾኡ ጥራሕ ንምጽብባቕ’ሲ እንታይ ኣጨነቐካ? ነፍስኻ ብኃጢአት ረሲሓ እንከላ  ንምንታይ ሥጋኻ ጥራሕ ንምሕጓስ ትጎዪ? ኣቐዲምካ ንቤትካ (ነፍስኻ) ንምጽብባቕ ዘይትጎዪ? ኣቐዲምካ ንነፍስኻ ትሓስብ እንተኴንካ ካብ ኢድ ሰብ ዘይኮነስ ካብ ኢድ ክርስቶስ ሽመት ሽልማት ኪትቅበል ኢኻ። ኵሉ ግዜ “እዚ ዚገብሮ ዘለኹ እግዚኣብሔር ይኸብረሉ ድዩ?” ኢልካ ድኣ ሕሰብ እምበር ብልማድ ጥራሕ እትመላለስ ኣይትኹን ኢለ እመኽረካ ኣለኹ። ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ኪመኽረና እንከሎ “ስለ’ዚ ኪትበልዑ ከለኹም ይኹን ኪትሰትዩ ከለኹም ዚኾነ ነገር እንተገበርኩም ንኽብሪ እግዚኣብሔር ግበርዎ” ዚበለና ነዚ ስለ ዚኾነ ኣብ ሓድሽ ዓመት ብኵሉ ተግባራትና እግዚኣብሔር ንምኽባር ንዳሎ (1ይ ቆሮ.10፡31)፡፡ ሓድሽ ዓመት ምኽባር ማለት እምበኣር ከምዚ እዩ።

ንምዃኑ ንኽብሪ እግዚኣብሔር ኢልካ ምብላዕ ወይስ ምስታይ እንታይ ማለት እዩ? ነቲ ድኻ ናብ ገዛና ኪንጽውዖ ከለና፡ ኣብ መኣድና ክርስቶስ ሓቢሩ እንተሎ ንክብሪ እግዚኣብሔር በሊዕና ወይስ ሰቲና ይበሃል።

ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ዚነገረና ግን ብመብልዕናን ብመስተናን ጥራሕ ኣይኮነን። ወሲኹ ‘ውን “እትገብርዎ ዘበለ ኵሉ ንኽብሪ እግዚኣብሔር ግበርዎ” እዩ ዚበለና። ስለ’ዚ ናብ ኣኼባ እንተኸድና ናብ ቤተ ክርስቲያን እንተኸድና ንኽብሪ እግዚኣብሔር ኪንገብሮ ይግብኣና። ነዚኣቶም ንኽብሪ እግዚኣብሔር ኪንገብሮም እንኽእል ከ ከመይ ጌርና ኢና? እግዚኣብሔር ዘይከብረሎም ብዙሓት ምምልላሳት ስለ ዘለዉ ናብ ቤተ ክርስቲያን፣ ናብ ሥርዓተ ቅዳሴ፣ ናብ ጉባኤ፣ ናብ ካልእ መንፈሳዊ ኣገልግሎትን ኪንከይድ ከለና ኣካይዳና እግዚኣብሔር ዚኸብረሉ ኪኸውን ይግባእ። ኣብ ሓድሽ ዓመት ናብ ቤተ ክርስቲያን ምምልላስና ንኽብሪ እግዚኣብሔር ኪኸውን ኣለዎ።

ኣብ ገዛ ኮፍ ንብል እንተኴንና ‘ውን ንኽብሪ እግዚኣብሔር ኪንገብሮ ይግባእ። “እንታይ ማለት እዩ?” ትብለኒ ትኸውን? ካብ ገዛና ወጺና ክፍኣት ናብ ዘለዎ ቦታ፡ ክርክር ናብ ዚሰፈነሉ ኣኼባ፡ ስኽራን ጓይላን ካልእ ገቢረ ኃጢኣትን ናብ ዚነገሠሉ ነፍሲ ናብ ዚህውኽ ቦታ ካብ ምኻድ ተቖጢብና ኣብ ገዛ ኮፍ እንተ ድኣ ኢልና፡ እዚ ንኽብሪ እግዚኣብሔር ኢና ጌርናዮ ኢለ እነግረካ ኣለኹ። ስለ’ዚ ኣብ ገዛ ኮፍ ምባልናን ናብ ቤተ እግዚኣብሔር ምኻድን ብማዕረ ንኽብሪ እግዚኣብሔር ኪንገብሮም ይከኣለና እዩ። ይቕጽል. . . .