bieteelyas.blogspot.com ቤተ ኤልያስ

Wednesday 29 March 2017

ትምህርተ ጾም ዘኦርቶዶክስ መበል 22 ክፋል



2/ መንፈሳውያን ኣገልገልቲ “ናይ እግዚአብሔር ሥራሕ ብሸለልትነት ዝሠርሕ ርጉም ይዅን” ዝብል ኣምላኻዊ ቃል ይጥንቀቕሉ /ኤር 48፡10 /። 

 ቅዱስ ኣውግስጢን፦ እዚ ሥራሕ  እዚ ንኣኻትኩም ከም ዘይምልከት ጌርኩም ኣይትቚጸርዎ፡ ብርግጽ ካብዞም ዓበይቲ ጸጋታት ኪትሠርሑ ኣይትኽእሉን ኢኹም፡ እንተኾነ ግና ከከም ዝተፈቐደልኩም ኣብ ብዙኅ ዕድላት ክትዋስኡ ትኽእሉ ኢኹም፡ ኣብ ኵሉ ኣብቲ ክርስቶስ ክስጎገሉን ክጽረፈሉን ዘዝረኣኽምዎ ተኸላኸልሉ፡ ነቶም ዘጉረምርሙ መልሰሎም፡ ነቶም ንእግዘአብሔር ዝጸርፉ ገሥጽዎም፡ ምሳታቶም ድማ ዕርክነት ኣይትግበሩ። ኣብ ገዛኹም ድማ ግቡእኩም ፈጽሙ። ኵሉ ርእሲ ናይ ገዛ ዝኾነ ሥራሕ ናይ ጳጳስ ይሥራሕ፡ እዚ ማለት ብዛዕባ ናይ ስድራቤተካ ተኸታተል ፡ ንዅላቶም ዓቢ ዋጋ ተኸፊልሎም እዩ’ሞ ሰበይትኻ ወይስ ወደኻ ወይስ ጓልካ ወይስ ሠራሕተኛኻ መናፍቕ ኮይኑ ኸይርከብ። ንሓደ ካብቶም ንኣሽቱውን ይኹን ነቶም ናትካ ሸለል ኣይትበል፡ ኣብ ክንዲ እዚ ኣብ ሓለዋ ድኅነት ናይ ኵሎም ኣባላት ቤትካ ጥንቁቕ ኩን፡ እዚ እንተ ደኣ ጌርካ መክሊትካ ብግቡእ ሠሪሕካሉ ኣለኻ ማለት እዩ። ስለዚ ከምቲ ሃካይ ኣገልጋሊ ኣይትቚጸርን ኢኻ፡ ነቲ ዝመጽእ ቅጽዓት ድማ ኣይክትፈርህን ኢኻ” ብምባል ነፍሲ ወከፍ ክርስቲያን ካብ ትህኪትን ሸለልትነትን ኪወፅእ ይመኽረና። 

ቀጺሉውን “እግዚአብሔር ተጸባዪ ናይ  መኽሰብ (ትርፊ) ኣይኮነን። ኣብ ብዝኂ (ኣብ ዓቐን) ዘይኮነስ  ኣብ ተኣማንነትን ሸለልትነትን ናይ ኣገልገልቱን እዩ ዝግደስ። እቶም ናይ ኃሙሽን ክልተን መክሊት ዝነበሮም ኣገልገልቲ “ኣብ ሥርሖም እሙናት” ብምንባሮም እዩ እቲ መኽሰቦም። እቶም ሰብ ሓደ መክሊት ግና ሽግሮም ዘይተገዳስነት እዩ፡ ስለዚ መክሊቱ ኃቢኡ፡ ናይ ትህኪት ሕይወት ድማ ይመርሕ ነበረ” ይብል። 

 ሸለልትነት ናብ ከመይ ዝበለ ዓቢይ ኃጢአት ከም ዝድርብየና ከረድእ ከሎ ድማ “እቲ ዘይሠርሐ ዘበለ መመሊሱ ይኸስር፡  ሓንቲ ኃጢኣት ብዙኅ ኃጢኣታት ትወልድ። እቲ ሃካይ ካልእ መኽሰብ ዘይ ምኽሳቡ ጥራይ ዘይኮነ፡ ነታ ዝነበረቶ ኣጥፊኡስ ንጐይታኡ ብምውቃስ ናብ ካልእ ኃጢኣት ወደቐ።  ትህኪቱን ሸለልትነቱን ንጐይታኡ “ጨካን” ኢሉ ንምውቃስ ደረኾ። ንእሽተይ ኃጢኣት ናብ ካልእ ኃጢኣት ትመርሓካ። ከምቲ ቅዱስ ዮሐንስ ዝበሎ “ዝኾነት ንእሽተይን ዘይትጠቅምን እትመስለና ኃጢኣት ናብቲ ዝዓበየ እያ ትመርሓና ስለዚ ጌጋና አብ መጀመርታ ከነጥፍኦ ክንቃለስ ኣለና” ይብል። 

 ቅዱስ ቄርሎስ ዓቢይ ድማ “እቲ ቀሊል ኮይኑ ዝረኣየና ግና ከኣ ኣዝዩ ሓደገኛን ኣዕናውን ዝኾነ ትህኪትን ሸለልትነትን እዩ.” ብምባል መንፈሳውያን ኣገልገልቲ ካብ ትህኪትን ሸለልትነትን ኪርሕቁ ከም ዘለዎም ይምህር።

 ሰሎሞን “ኣታኽልቲ ወይንና ዐምቢቡ እዩ እሞ፡ ነታኽልቲ ወይኒ ዜበላሽዋ ወኻሩ፡ ነተን ኰራኲር ወኻሩ ኣጻዊድኩም ኃዙልና” ብምባል ዚተዛረቦ ቓል ነዚ ዘነጽር እዩ /መኃ2፡15/። ኣብ ናይ እስራኤል ናይ ኣታኽልቲ ወይኒ (ጀርዲን) ወኻሩ ነቲ ወይኒ እናበላሸዋ ስለ ዘሸግራኦም፡ ነቲ ጀርዲን ብሓጹር ገይሮም ይሓጽሩዎ። ንማይ መእተዊ ዝኸውን መስኖ ግና ንእሽተይ ይኸፍቱሉ፡ በዚ ናይ መስኖ ማይ እተን ዓበይቲ ወኻሩ ኪኣትዋ ኣይክእላን እየን። እተን ንኣሽቱ ግና ኣትየን ነቲ ወይኒ ሰቢረን ከውፅኣ ኃይሊ ስለ ዘይረኽባ ኣቋሲለን ከም ዝበላሾ ይገብርኦ። እቲ ዋና ኣታኽልቲ ድማ ነቲ ዝተበላሸወ ቈሪጹ ንደገ ይድርብዮ፡ እተን ብደገ ዘለዋ ዓበይቲ ወኻሩ ድማ ብኸምዚ ጥበብ ይምገባ ነበራ።

 ዓበይቲ ወኻሩ ዚተባህላ ዓበይቲ ኃጢአታት እየን፡ ንኣብነት ዓሠርተ ትእዛዛት። ንኣሽቱ ወኻሩ ዚተባህላ ድማ ንኣሽቱ ኃጢአታት እየን። ንኣብነት ቅድሚ ምዝማውካ ናይ ዝሙት ፊልም ትርኢ፡ ንዝሙት ናብ ዝዕድም ቦታታት ትኸይድ ናይ ዝሙት መጻሕፍቲ ተንብብ እዚኣቶም ድማ ናብቲ ዓቢይ ኃጢአት የብጽሑኻ።

መናፍቕ ቅድሚ ምዃንካ ናይ መናፍቓን መዝሙር ትሰምዕ፡ መጻሕፍቶም ተንብብ፡ ናብ ኣብያተ ጸሎቶም ትኸይድ፡ ስብከቶም ትሰምዕ ምሳታቶም ዕርክነት ትገብር ቅንይ ኢልካ ድማ ወደ መዝሙሮም ጥራይ ዘይኮነስ በትሪ መናፍቓን ኴንካ ነዴኻ ቤተ ክርስቲያን ኪትሃርም ትመጽእ። ቅዱስ ጳውሎስ ነዚ ኣመልኪቱ ከምዚ ኢሉና ነይሩ፦ “ግናኸ ከምቲ ተመን ብጕርሑ ንሔዋን ዘስሐታ፡ ከምኡውን ሓሳብኩም ካብቲ ናብ ክርስቶስ ዚኸውን ገርህነትን ንጽህናን ምናልባሽ ከይጥፍእ እፈርህ ኣሎኹ። ስለዚ ሓደ እኳ፡ ንሕና ዘይሰበኽናዮ፡ ካልእ ኢየሱስ እንተ ሰበኸ፡ ወይስ ንስኻትኩም ዘይተቐበልኩምዎ ኻልእ መንፈስ እንተ ተቐበልኩም፡ ወይስ ዘይረኸብኩምዎ ኻልእ ወንጌል እንተ መጻኩም፡ ጽቡቕ ትዕገሥዎ ኣሎኹም” /2ይ ቆሮ 11፡3-4/።

ኣብዚ ናይ ቅዱስ ጳውሎስ ቃል ከም ዝረኣናዮ፡ ሔዋን መጀመርታ ዚሠርሓቶ ኃጢአት ብእዝና እዩ። እዝና ናይ እግዚአብሔር ዘይኮነ ካልእ ስብከት ኪሰምዕ ጀሚሩ። ናይ እግዚአብሔር ዘይኮነ ናይ ሰይጣን ድምፂ ኪሰምዕ ጀሚሩ፡ እዚ ድማ ናብ ሞተ ሥጋን ሞተ ነፍስን ኣብጽሓ። ጐይታናውን “እተን ኣባጊዕ ድምፁ የለልያኦ እሞ ይስዕባኦ፡ ድምፂ ኻልእ ዘይፈልጣ ስለ ዝኾና ካብኡ ይገልባ እምበር ኣይስዕባኦን እየን” ብምባል ኣባጊዑ ድምፁ ደኣ እምበር ድምፂ ናይ ካልእ ኪሰምዓ ከም ዘይግባእ ምሂሩና እዩ /ዮሓ 10፡4-5/።

 ብዙኃት ግና መዝሙሮም እንተ ሰማዕና እንታይ ኣለዎ፧ ኵሉ ኢየሱስ እንድዩ ዝብል፡ እናበሉ ኪጠፍኡ ንርእዮም ኢና። ቅዱስ ጳውሎስ ከም ዝምህረና ግና ንሳቶም ዝሰብክዎ “ካልእ ኢየሱስ” እዩ። ንሳቶም ዝሰብክዎ “ካልእ ወንጌል” እዩ፡ ንሳቶም ዝዝምርዎ ኢየሱስ ኣማላዲ ለማኒ ዝብል ካልእ መዝሙር እዩ። ስለዚ በጊዕ እንተ ዄንካ ድምፂ ጐይታኻ ጥራይ ስማዕ። ንእሽተይ ኃጢአት ናብ ካልእ ዝዓበየ ኃጢአት ከይተሰጋግረካ ንእሽተይ እናበልካ ኣይትንዓቃ ሸለልውን ኣይትበላ።

ኣብ ኣገልግሎትካ ሸለል ኣይትበል፡ ትጉህ ኵን፡ ዚተዋህበካ ኃላፍነት ብዝግባእ ሥርሓሉ፡ ኪትሠርሓሉ ዘይትኽእል እንተ ዄንካ ግና ብቕልጡፍ ኣረክቦ ካልኦት ኪሠርሕሉ ዝኽእሉ ሰባት ድለየሉ። ሥልጣን ተሰኪምካ ድቃስን ሸለልትነትን ግና ሰይጣን ቤተ ክርስቲያን ንምዕናው ዝጥቀመሉ ሞደሻ ስለ ዝኾነ ንቕሓሉ። እንተ ዘይኮነ ገብረ ሃካይ ዝብል ወቐሳን፡ ግብ ዝበለ ጸልማትን ኪኽተለካ ምዃኑ ኣይትዘንግዕ።

3/ መንፈሳውያን ኣገልገልቲ ካብ ተማሃሮኦም ንላዕሊ ተሓታትነት ከም ዘለዎም ኪፈልጡ ይግባእ።

 ቅዱስ ኣውግስጢን፦ ጐይታ ክጸባጸብ ክጅምር እንከሎ በቲ በዓል ኃሙሽተ ቀጺሉ በቲ በዓል ክልተ ድኃር በቲ በዓል ሓደ እዩ ጀሚሩ፡ እዚ ድማ በቲ ዝተዋህበና ጸጋ መጠን ካብቶም ካልኦት ኩነኔና ከም ዝቕድም ዘረድእ እዩ። ካብኦም ንላዕሊ ድማ ክንሕተት ኢና።

 ነዚ ዚተረድኡ ብዙኃት ቅዱሳን ኣበው ካብ ማዕርገ ክህነት ኪሃድሙ ይረኣዩ ነበሩ። ቅዱስ ኣትናቴዎስ ጵጵስና ከይሸምዎ ኢሉ ተኃብአ፡ ቅዱስ ዮሓንስ ኣፈወርቅውን  ናይ ቅድስና ሕይወቱን ምሁር ምዃኑን ዚረኣዩ ሕዝብን ካህናትን፡ ንእኡን ንባስልዮስ ዓርኩን (ዋላ እኳ ዕድሜኦም ብመሠረት ቀኖና ቤተ ክርስቲያን ንዚድለ ብውሑድ 30 ዓመት ዘይመልኡ እንተ ነበሩ) ጵጵስና ክሾምዎም ደለዩ። ንሱ ግና “ኣነ ነዚ ኸቢድ ኃላፍነት ኣይበቅዕን እየ። ነዚ ኸቢድ ዝኾነ ኃላፍነት ናይ ቤተ ክርስቲያን ብቑዕ ዝኾነን ዝጠቕመናን ባስልዮስ ኃወይ እዩ” ብምባል ንባስልዮስ ምእንቲ ኽሸምዎ ኢሉ ንሱ ተኃብአ። ባስልዮስ ነዚ ሽመት ዝተቐበሎ ድማ ዓርኩ (ቅዱስ ዮሓንስ ኣፈወርቅ) ምስኡ ዝሽየም መሲልዎ እዩ። እንተ ኾነ ግና ቅዱስ ዮሓንስ ኣፈወርቅ ንግዚኡ ስለ ዝተኃብአ ዓርኩ ባስልዮስ ጥራይ ተሾመ።

  ካብዚ ናይ ጵጵስና ሽመት “ጳጳስ ኣይከውንን እየ” ኢሉ ብምትራፉ ባስልዮስ በይኑ ብምሻሙን ዮሓንስ ብዘይ ምሻሙን ባስልዮስ ኣዝዩ ስለ ዝኾረየሉ፡ ክህነት ብዝምልከት (በእንተ ክህነት) ብምባል ዝጸሓፎም ኣዝዮም ኣደነቕቲ ዝኾኑ ሽዱሽተ ተኸታተልቲ መጻሕፍቲ ንምጽሓፍ ምኽንያት ኮኖ። እቶም መጻሕፍቲ ኣብ መንጎ ቅዱስ ዮሓንስ ኣፈወርቅን ቅዱስ ባስልዮስን ብዝግበር ቃለ መሕትት መልክዕ ዚተዳለዉ ኾይኖም፡ ናይ ክህነት ኃላፍነት፡ ጥቕምን ዕብየትን ፈተናታቱን ክብደቱን፡ ብሱል ብዝኾነ ናይ ኣዘራርባ ጥበብን ብዝረቐቐ ናይ ኣጸሓሕፋ ሜላን ዝገለጸሎም ዘደንቑ መጻሕፍቲ እዮም። ናይ ክህነት ቀንዲ መሣርሒ መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዝኾነ ኣነጺሩ ይገልጽ። ናይ ክህነት ኃላፍነትን ክብደትን ብምርዳእ፡ ናይ ክርስቶስ መጓሰ ብምሉእ ልቢ ብምፍቃር፡ ርእስኻ ንናይ ክርስቶስ ኣገልግሎት ምፍላይ፡ ንክህነት ወሳኒ ምዃኑ ይገልጽ። መጽሓፍ ቅዱስ ዘይፈልጥን ዘይተማህረን፡ ከምኡውን ናይ ክህነት ኃላፍነት ክብደቱ ዘይተረድአ ሰብ ክህነት ክቕበል ከም ዘይግባእ የተሓሳስብ።

 ስለዚ ነዚ ተሓታትነት እዚ ተረዲእና ንሽመትን ሥልጣንን ዘይምቅድዳምን፡ እንተ ተሼምና ድማ ተጊህካ ምዕያይን የድልየና። ተጊህካ እንተ ዓዪኻ፡ ከምቲ ተሓታትነትካ ክብርኻን ሽልማትካንውን ዓቢይ ምዃኑ ድማ ኣይትዘንግዕ።

4/ መንፈሳውያን ኣገልገልቲ ንእግዚአብሔር እምበር ንሰብ ከሐጕሱ ኪጽዕሩ የብሎምን።

 ቅዱስ ኣውግስጢን፦ በዓል ኃሙሽተ መክሊት ነቲ ኃሙሽተ ናይ ስምዒት ህዋሳቱ ንሰማያዊ መርዓዊ (ንክርስቶስ)  መሥዋዕቲ ገይሩ ዘቕረበ ሰብ ዘመልክት እዩ። ንሱ ብሥጋኡን ብነፍሱን ነቲ ሥራሕ ናይ ኣምላኽ ቅዱስ መንፈስ ዘገልግል ስለ ዝኾነ ምሉእ ብምሉእ  ናይቲ ሰማያዊ ጐይታ እዩ። 

 ብዙኃት ንድኅነት ኣባጊዖም ግዲ ዘይብሎም ኣገልገልቲ፡ ክብሮምን ስሞምን ከይትንከፍ ክብሉ፡ ንዅሉ ሰብ ንምሕጓስ ኪጓየዩ ትርኢ ኢኻ። እተን ኣባጊዕ እንታይ የድልየን ኢሎም ኣብ ክንዲ ዝጭነቑ፡ እንታይ እየን ዝደልያ፧ እንታይ እዩ ዘሐጕሰን፧ ዝብል ሕቶ ኺምልሱ ይደኽሙ። መንፈሳዊ ኣገልጋሊ ግና ንኣባጊዕ እንታይ ከም ዘድልየን ፈሊጡ ደኣ መንፈሳዊ ነገር ይህበን እምበር፡ ዘዝደለይኦ ዝህበን እንተ ኾይኑ ጥዑይ ጓሳ ኣይኮነን።

 ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ኣገልገልቲ፡ ንዅሉ ሰብ ብጥዑም መልሓስ እናጠበሩ፡ ንሳኽራም ንዘማዊ ንሰራቒ ንሓማዪ ከከም ጠባዮም እናኸዱ ዝውድሱ ቀተልቲ ኣባጊዕ እዮም። ከይጽልኡ ስለ ዝፈርሁ ተግሣጽ ትበሃል ኣይፈልጥዋን እዮም። በዚ ድማ ነቲ “ሕጂኸ ንሰብዶ ወይስ ንኣምላኽ እየ ባህ ዘብል ዘሎኹ፡ ወይስ ንሰብ ከሐጕስ ድየ ዝደሊ ዘሎኹ፡ ገና ንሰብ ከሐጕስ እንተ ዝብልሲ፡ ባርያ ክርስቶስ ኣይምዀንኩን ነይረ” ዝብል ናይ ሓዋርያ ቕዱስ ጳውሎስ ቃል ምሉእ መዓልቲ ከፍርስዎ ይውዕሉ /ገላ1፡10/።

ቅዱስ ዮሓንስ ኣፈወርቅ፦ “ናይ ሰባኽን ናይ ካህንን ቀንዲ ዕላምኦም ንእግዚአብሔር እምበር ንሰብ ምሕጓስ ኣይኮነን ይብል። 

No comments:

Post a Comment