bieteelyas.blogspot.com ቤተ ኤልያስ

Sunday 11 September 2016

ሓድሽ ዓመት ብቅዱስ ዮሕንስ አፈወርቅ 3ይ ክፋል


† ሓድሽ ዓመት† 

....ጸጕርኻ ካብ ምሕጻር ንላዕሊ ዚንእስ እንታይ ነገር ኣሎ? እንተኾነ ግን እዚ ‘ውን ንኽብሪ እግዚኣብሔር ምግባር ይከኣል እዩ። ንኣብነት ደቂ ኣንስትዮ ብሰንኪ ጸጕረን ዚሰናኸሉ ደቂ ተባዕትዮ ምስ ዝህልዉ’ሞ ዋላ እኳ ነዚ ፈሊጠን እንተዘይቆረጽኦ፡ ኣወዳት ኪሰናኸልሉ ብዘይክእሉ መንገዲ እንተተሸለማ፡ ድኹማት ኣሕዋተን ብዘይሰናኸልሉ መንገዲ ንርእሰን እንተኣጌጻ፡ ጸጕረን ንኽብሪ እግዚኣብሔር ጌረንኦ እየን እሞ ሽመት ሽልማተን ብዙሕ እዩ። ነቲ ናይ ክፉእ ትምኒት ፍላጻ ንኽብሪ እግዚኣብሔር ኪብላ ስለ ዘትረፍኦ ዋጋአን ኣብ ሰማያት ኣዝዩ ዓቢ እዩ። ንኽብሪ እግዚኣብሔር ኢሉ ሓንቲ ኩባያ ዝሕልቲ ማይ ዚሃበ ሰብ ርስቲ መንግሥተ ሰማያት ዚረክብ ካብ ኮነ፡ እቲ ንገብሮ ኵሉ ንኽብሪ እግዚኣብሔር ንገብሮ እንተኴንና እሞ ሽመት ሽልማትና ክሳዕ ክንደይ ዓቢይ ዘይከ’ውን።


ንኽብሪ እግዚኣብሔር ኢልካ ምኻድን ዘይምኻድን ‘ውን ኣሎ። እንታይ ማለት እዩ? ናብ ናይ ክፍኣት ቦታ ዘይንኸይድ እንተኴንና፡ ናይ ቆነጃጅት መልክዕ ብምድናቕ ልቦናና ብናይ ሥጋዊ ትምኒት መንፈስ ዘይጽመድ እንተኾይኑ፡ ሓንቲ ጽብቕቲ ቆልዓ ኣብ ቅድሜና ርኢና ከም እተሰናኽለና ፈሊጥና ዓይንና ካብኣ እንኽውል እተኴንና፡ መልክዕ (ጽባቐ) ንኽብሪ እግዚኣብሔር ኣውዒልናዮ ማለት ይበሃል። 

ኣከዳድናና ‘ውን እንተ ኾነ ንኽብሪ እግዚኣብሔር ክንገብሮ ይግበኣና። ኣዝዩ ክቡር ዝዋግኡ ክዳውንቲ ከይተኸደንና፡ ሰብነትና ኣዚና ከይተቐላዕና፡ ብሓጺሩ ሰብ ዘየሰናኽል ኣከዳድና እንተተኸዲንና ኣከዳድናና ንኽብሪ እግዚኣብሔር ጌርናዮ ይበሃል። 

ንወድዮ ጫማና ‘ውን ንኽብሪ እግዚኣብሔር ኪንገብሮ ይግባእ። ሓደ ሓደ ሰባት ንዚመልስዎ ጫማ ካብ መጠን ንላዕሊ ኪጭነቑ ይርኢ እየ። ልክዕ ከምቲ ንገጾም ብዚተፈላለየ መመላኽዒ ከብለጭልጩ ዝደልዩ፡ ከምኡ ድማ ብዛዕባ መልክዕ ጫማኦም ኣዝዮም ዚጭነቑ ሰባት እርኢ እየ። ዋላ እኳ ነዚ ከም ሓደ ንእሽተይ ነገር ጌርና እንተሓሰብናዮ፡ ኹልሻዕ ኣብ ኣወዳት ይኹን ኣብ ኣዋልድ ንርእዮ ነገር እዩ። ስለ’ዚ ጫማና ‘ውን ከይተረፈ ንኽብሪ እግዚኣብሔር ኪንገብሮ ይግበኣና ማለት እዩ። ጥበበኛ ሲራክ ብኣካይዳናን ኣከዳንናናን ንእግዚኣብሔር ደስ ከነብሎ ከም እንኽእል ዝነገረና ቃል እስኪ ሓቢርና ንስምዓዮ “ናይ ሰብ ጠባይ ብኣካይዳኡ ኣከዳድናኡን ኣሰሓሕቓኡን ይፍለጥ” (ሲራ 19፡27)። 

ስለ’ዚ ኣብ ሓድሽ ዓመት ጥራሕ ዘይኮነ ኵሉ ግዜ እንገብሮ ኵሉ ንኽብሪ እግዚኣብሔር እንገብሮ እንተኴና፡ ኣሕዛባዊ ይኹን መናፍቕ ይኹን ከምኡ ‘ውን ፈላስፋ ሓሲብዎ ዘይኮነስ ትም ኢሉ ብኣና ኪማረኽ እዩ። ምምራኽን ምድናቕን እግዚኣብሔር ናብ ምእማን ኪመጽእ እዩ። 

ሓዳርና ‘ውን ንኽብሪ እግዚኣብሔር ኪንገብሮ ይግባእ። መንጻፍና (ኣብ ሓዳር ዚግበር ሥጋዊ ርክብ) ንጹህ ምግባር፡ ሓዳር ንገንዘብ ወይ ንካልእ ምድራዊ ነገር ንምርካብ ዘይኮነ፡ ነፍስና ንምድሓን እግዚኣብሔር ንምርካብ ዚግበር እንተኾይኑ፡ ንኽብሪ እግዚኣብሔር ጌርናዮ ይበሃል። ናይ ሓዳር መጻምድትና  ብመለክዒ ናይ ዘለዓለማዊ ሕይወት እምበር ብመልክዕን ሃብትን ወይ ካልእ ጊዝያዊ ጥቕሚ ዘይንልክዕ እንተኴንና ሓዳርና ንኽብሪ እግዚኣብሔር ዚተገበረ እዩ ይበሃል። ኣብ’ዚ ሓድሽ ኣመት ነዚ ኪንለማመድ ይግበኣና።

እግዚኣብሔር ዚፈትወኩም ንስኻትኩም ‘ውን እትፈትውዎ ደቀይ! እዚ ኵሉ ብዝርዝር ዚነግረኩም ዘለኹ ንምንታይ ይመስለኩም? እዚ ኵሉ ከምዚ ጌረ ዘርዚረ ዚነግረኩም ዘለኹ ኵሉ ዓይነት ምንቅስቓስና ንኽብሪ እግዚኣብሔር ኪንገብሮ ስለ ዝደለኹ እየ። ብባሕሪ እናቋረጹ ዚነግዱ ነጋዶ ንብረቶም ናብ ጫፍ እቲ ከተማ ኣምጺኦም መልሕቅ ጌሮም ምስ ኣትሕዝዎ፡ ተቐዳዲሞም ናብ ናይ ዕዳጋ ቦታ ኣይከዱን እዮም። ናብ ናይ ዕዳጋ ቦታ ቅድሚ ምኻዶም ኣቐዲሞም ብዛዕባ መኽሰቦም እዮም ዚሓስቡን ዚጽብጽቡን። ንሕና ‘ውን ኣብ  ኵሉ ንገብሮ ነገራት ካብ እግዚኣብሔር ንረኽቦ ጥቕሚ ኪንሓሰብ ይግበኣና።

ካባኻትኩም “ኵሉ ንኽብሪ እግዚኣብሔር ኢልካ ምግባር ግን ዚከኣል ኣይኮነን” ዚብል ፈጺሙ ኣይረኸብ። ጫማና እንተመለስና ጸጕርና እንተስተኻኸልና፡ ክዳንና እንተተኸደንና፡ ካብ ሓደ ቦታ ናብ ካልእ ቦታ እንተተጐዓዝና፡ ኣዘራርባና፡ ምእካብና፡ ምውጻእናን ምእታውናን ምምሥጋንና ምግሣፅና ምውቃስና ኮነ ዘይምውቃስና፡ ንሰብ ፈታዊ ወይ ጸላኢ ምግባርና፡ ንኽብሪ እግዚኣብሔር ኪንገብር እንተኽኢልናስ፡ ንሕና እንተፈቒድና ንኽብሪ እግዚኣብሔር ኢልካ ዘይግበር ነገር እንታይ ይተርፍ?

ናይ ቤት ማእሰርቲ ሓላፊ ካብ ምዃን ዚኸብድ እንታይ ኣሎ? ሕይወት ናይ ሓላዊ ቤት ማእሰርቲ ኣዝያ ከባድ ዶ ትመስል ሓቀይ? እንተኾነ ግን ናይ ልቦና ፍቓድ እንተ ድኣ ኣለና፡ ሓላዊ ቤት ማእሰርቲ ኴንካ ‘ውን ኵሉ ነገር ንኽብሪ እግዚኣብሔር ኪትገብሮ ይከኣል እዩ። ንእሱራት ከተድሕን ትኽእል ኢኻ። ብዘይ ኣገባብ ንዝተኣሰሩ ኪትንከባኸብ ትኽእል ኢኻ። ምስቶም ንኑጽሃት ሰባት ብዘይ ኣገባብ ዘሳቕዩ ሰባት ዘይምትሕብባር ትኽእል ኢኻ። ንእሱራት ከም ሓላፊ ዘይኮነ ከም ሓው ወይ ሓውቲ ምግልጋል ይከኣል እዩ። ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ናብ ሃይማኖት ዘምጽኦ ሓላዊ ቤት ማእሰርቲ እንተ ተመልኪትና ከምዚ ዓይነት ሰብ እዩ ኔሩ። (ግ.ሐ 16፡25-40) ስለ’ዚ ኣብ’ዚ ሓድሽ ዓመት ኵሉ ንኽብሪ እግዚኣብሔር ኪንገብሮ እንተደሊና ይከኣለና እዩ ማለት እዩ።

እስኪ ንገሩኒ! ካብ ነፍሲ ምቕታል ንላዕሊ ዚኸፍእ ነገር እንታይ ኣሎ? እንተኾነ ግን በዚ ናይ ነፍሲ ምቕታል ‘ውን ናይ ጽድቂ ሥራሕ ኪሥራሕ ይከኣል እዩ። ኣይትሰንብዱ! ምቕታል ‘ውን ንኽብሪ እግዚኣብሔር ተባሂሉ ኪግበር ይከኣል እዩ።  ካባኻትኩም “ቀታሊ ነፍሲ ከመይ ጌሩ እዩ ነፍሲ ብምቕታሉ ናይ ጽድቂ ሥራሕ ሠሪሑ ተባሂሉ ኪንገረሉ ዚኽእል” ዚብል ሰብ ኪህሉ ይኽእል እዩ። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስና ዚተመዝገበ ሓደ ታሪኽ ኣልዒለ ኪነግረኩም እደሊ ኣለኹ። ሓደ ግዜ ምድያማውያን ምስ እስራኤል ኵናት ንኽገጥሙ ንቑጥዓ እግዚኣብሔር ኣተሳሲኦሞ ኔሮም። ኣብቲ ኵናት ‘ውን ልዕልናኦም ብምርኣይ ናይ እግዚኣብሔር ሰናይ ፍቓድ ከትርፉ ብምሕሳብ፡ ንደቂ ኣንስትዮኦም ኣጸባቢቖም ኣብ ኣፍ ድንኳን ቆይሞም ነበሩ። በዚ ድማ እስራኤላውያን ብዝሙት ክሳብ ምስሓብን ንጣኦት ከም ዚሰግዱ ክሳብ ዚኾኑን በጺሖም ኔሮም። እዚ ጥራሕ ዘይኮነ እስራኤላውያን ሃይማኖተ ኣልባ ኪኾኑ ደልዮም ኔሮም። ፊንሓስ ግን ነዚ ምስ ረኣየ ብኢዱ ሰይፊ ሒዙ፡ ንክልተ ከመንዝሩ ዚተረኽቡ ሰባት ንኸብዶም ብሰይፍ ቀዲዱ ቀተሎም። በዚ ድማ ፍቓድ እግዚኣብሔር እንታይ ከም ዚኾነ ኣረጋጊጹ እዩ። ፊንሓስ ዚገበሮ ነገር ሰብ ምቕታል እዩ። ናይ’ዚ ቅትለት እዚ ዕላማ ግን፡ ንመላእ እስራኤል ንምድሓን እየ ኔሩ። (ዘኁ 25) ፊንሓስ ብዚፈጸሞ ቅትለት ኢዱ ኣይረኸሰን፡ እኳ ድኣ እቲ ነፍሲ ዚቐተለ ፊንሓስ ንእስራኤላውያን ካብ ዝሙት ኣድሒኑ ንጹሃት ገበሮም። ፊንሓስ ነቶም ክልተ ዚቐተሎም ነቶም ዚተረፉ እስራኤላውያን ንምድሓን ድኣ እምበር ጸሊእዎም ኣይኮነን። ንክልቲኦም ጥራሕ ብምቕታል ነቶም ዚተረፉ ብዙሓት እስራኤላውያን ካብ ናይ ነፍስን ሥጋን ካብ ሞት ከድሕኖም ስለ ዝደለየ እዩ። እዚ ድማ ሓኻይም ከም ዚገብርዎ እዩ። ሓኻይም ንሓደ ብቑስሊ ዚመሽመሸ ክፍሊ ናይ ኣካላትና ቆሪጾም ዚድርብይዎ፡ ነቲ ዚተረፈ ክፍሊ ኣካላትና ንምድሓን እዩ። ፊንሓስ ‘ውን ከምዚ እዩ ዚገበረ። ዘማራይ ክቡር ዳዊት ነዚ ኣመልኪቱ ኪዛረብ ከሎ፡ “ሽዑ ፊንሐስ ተንሲኡ ፍትሒ አውጽኤ፣ እቲ መዓት ድማ ዛረየ። እዚ ኸኣ ንሓዋሩ፣ ንውሉድ ወለዶ ጽድቂ ኰይኑ ተቘጽረሉ” (መዝ 106፡30-31) ይብለና። እዚ ማለት ፊንሓስ ዚገበሮ ነገር ትኽክል እዩ እናተባህለ ኪንገረሉ ይነብር ማለት እዩ።

ብተወሳኺ ‘ውን ሓደ ሰብ ብሰንኪ ጸሎቱ ንእግዚኣብሔር ኣቖጢዑ እዩ። ምኽንያቱ ጸሎቱ ንኽብሪ እግዚኣብሔር ዚተገበረ ስለ ዘይነበረ። ንሱ ድማ እቲ ፈሪሳዊ እዩ (ሉቃ 18)፡፡ ፊንሓስ ሰብ ስለ ዝቐተለ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ተቐባልነት ረኸበ። እቲ ፈሪሳዊ ድማ ብኣንጻሩ ስለ ዝጸለየ ንእግዚኣብሔር ኣቖጥዐ። ስለ’ዚ ዚኾነ ዓይነት እንገብሮ ነገራት ዋላ እኳ መንፈሳዊ ይኹን ንኽብሪ እግዚኣብሔር ክሳብ ዘይገበርናዮ ትርፉ ጉድኣት እዩ። ሥጋዊ ሥራሕ እንተሠራሕና ‘ውን ንኽብሪ እግዚኣብሔር ኪንገብሮ ንኽእል ኢና። ሰብ ካብ ምቕታል ንላዕሊ ኣዝዩ ክፉእ ዚኾነ ነገር እንታይ ኣሎ? እንተኾነ ግን እዚ ‘ውን ንኽብሪ እግዚኣብሔር ዝግበር ካብ ኮነ ካብዚ ቅትለት እዚ ‘ውን ጽድቂ ኪርከብ ይኽእል እዩ። ስለ’ዚ ካብ ቀታሊ ነፍሲ እኳ ከምዚ ዓይነት ጽድቂ ካብ ተረኸበ፡ ከመይ ኢልና ድኣ ነፍሲ ወከፍ ግብርና ንኽብሪ እግዚኣብሔር ምግባር ኣይከኣልን እዩ ንብል? ስለ’ዚ ብልብና ፍቓደኛታት እንተኴንና ኵሉ ነገር ንኽብሪ እግዚኣብሔር ምግባር ይከኣለና እዩ። እንተገዛእናን እንተሸጥናን ንኽብሪ እግዚኣብሔር ኪንገብሮ ይከኣለና እዩ። ዋጋኡ ካብ መጠን ዚሓለፈ ዋጋ እናወሰኽና ነቲ ዚሽምት ማሕበረ ሰብ ከየሸገርና ንግድና ንኽብሪ እግዚኣብሔር ኪንገብሮ ንኽእል ኢና። ሓደ ንብረት ሓቢእና ካብ መጠን ንላዕሊ ንኸነኽብሮ ኢልና እንሓብኦ እንተኴንና “ነቲ እኽሉ ዚዐቍር ሰብ ህዝቢ ይረግሞ” ከም ዚተባህለ ንግድና እግዚኣብሔር ዚኸበረሉ ንግዲ ኣይኮነን።(ምሳ 11፡26)

ሓደ ካባኻትኩም “ኣቦና! ሓደ ምሳሌ መሲልካ ኪትምህረና እናኸኣልካ ስለ ምንታይ ኢኻ ኣብ’ዚ ኵሉ ዝርዝር ትኣቱ?” ዚብል ኪህሉ ይኽእል እዩ። ሓደ ናይ ህንጻ በዓል ሞያ ንሓደ ህንጻ ኪሃንጽ ምስ ዚደሊ፡ መሠረት ብምንባር እዩ ዝጅምር። ብድሕሪ እዚ ተራ ብተራ ነቲ ዚተረፈ ክፍሊ ናይ’ቲ ህንጻ ይቕጽሎ። ኣብ መወዳእታ ድማ እቲ ህንጻ ኣዝዩ ዚጸበቐ መታን ኪኸውን ዚተፈላለየ ዘንጸባርቕ ሕብርታት ጌሩ ይዛዝሞ። ንሕና ‘ውን ነዚ ኵሉ ኣቐዲምና ብዝርዝር ምርኣይና “ኣንታ ሓወይ! ውሽጢ ገዛ ረሲሑ እንከሎስ ንምንታይ ኢኻ ግዳማዊ ማዕጾኡ ጥራሕ ንምጽብባቕ ትጨናነቕ? ነፍስኻ ብኃጢአት ረሲሓ እንከላስ ንምንታይ ኢኻ ሥጋኻ ጥራሕ ንምሕጓስ ትጓየ? ኣቐዲምካ ቤትካ (ነፍስኻ) ንምጽብባቕ ዘይትቀዳደም? ኣቐዲምካ ንነፍስኻ ትሓስብ እንተኴንካ ካብ ኢድ ሰብ ዘይኮነ ካብ ኢድ ክርስቶስ ሽመት ሽልማት ኪትቅበል ኢኻ። ኵሉ ግዜ ኣነ ዚገብሮ ነገር እግዚኣብሔር ይኸብረሉ ድዩ? ኢልካ ድኣ ሕሰብ እምበር ካብ ሕጂ (ካብ’ዚ ሓድሽ ዓመት ንደሓር) ትም ኢልካ ብዘልማድ እትመላለስ ኣይትኹን ኢለ እመኽረካ ኣለኹ። ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ኪመኽረና እንከሎ “እምብኣርሲ እንተ በላዕኩም፡ ወይስ እንተ ሰቴኹም፡ ወይስ ዝዀነ ይኹን እንተ ገበርኩም፡ ኲሉ ንኽብሪ ኣምላኽ ግበርዎ” ዚበለና በዚ ምኽንያት ስለ ዚኾነ፡ ኣብ’ዚ ሓድሽ ዓመት ብኵሉ ተግባራትና እግዚኣብሔር ንምኽባር ንዳሎ ኢልና ዚተዛረብናዮ ነዚ መሠረት ሒዝና ኢና። (1ይ ቆሮ 10፡31)

ስለ’ዚ ካብ ሕጂ ንኔው እንተጸለናን እንተጾምናን እንተገሠፅናን ይቕረ እንተበልናን እንተመስገንናን እንተወቐስናን እንተኣተናን እንተወጻናን እንተሸጥናን እንተገዛእናን እንተተዛረብናን ስቕ እንተበልናን ዚኾነ ዓይነት ነገር ኪንገብር ከለና ንኽብሪ እግዚኣብሔር ኪንገብሮ ይግብኣና። ነዚ ዘይጀመርናዮ እንተለና ሓድሽ ዓመት ምኽንያት ብምግባር ሕጂ ንጀምሮ። ንኽብሪ እግዚኣብሔር ዘይንገብሮ እንተኾይኑ ግና ኣይንሥራሕ። ኣብ ማእከል ማኀበር ንኽንዛረብ እንተተደፋፊእና ‘ውን ንዛረብ። ኣብ ዝኸድና ንኺድ ነዛ ናይ’ዚ ሓዋርያ (ናይ ቅዱስ ጳውሎስ) ቃል ኣብ ጽላት ልቦናና ጽሒፍና ሒዝናያ ንኺድ። እዛ ኃይለ ቃል እዚኣ እምበኣር እንገብሮ ኵሉ ንኽብሪ እግዚኣብሔር ኪንገብሮ ከም ዘለና ከተዘኻኽረና እያ። ኵሉ ንገብሮ ንኽብሪ እግዚኣብሔር ንገብሮ እንተኴንና ድማ “ነቶም ዘኽብሩኒ ከኽብሮም እየ” (1ይ ሳሙ 2፡30) ስለ ዝበለ ካብ ኢድ ሰብ ዘይኮነስ ካብ ባዕሉ ካብቲ ናይ ክብሪ በዓል ቤት ካብ ልዑል እግዚኣብሔር ኣብ’ዚ ዓለምን ኣብቲ ዚመጽእ ዓለምን ክብሪ ኪንጎናጸፍ ኢና። በሉ ካብ ሕጂ ንደሓር ክብሪ ናይ ክብሪ ክብርን ኣምልኾን ውዳሴን ንኣምላኽና ንኢየሱስ ክርስቶስ ይግብኦ እዩ እሞ፡ ብቃል ጥራሕ ዘይኮነ ብገቢረ ጽድቅን ምግባር ትሩፋትን ኹልሻዕ ነኽብሮ። ክሳብ ዘለዓለም ኣሜን!!!

No comments:

Post a Comment