bieteelyas.blogspot.com ቤተ ኤልያስ

Wednesday 21 September 2016

ናይ ቅዱስ ዮሐንስ አፈወርቅ ሕይወቱን ትምህርቱን 3ይ ክፋል

3. ቅዱስ ዮሐንስ ኣፈወርቅ ኣብ ገዳም (374-381)

ኣዲኡ ምስ ዓረፈት ናብቲ ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ናይ ኣንጾኪያ ዘሎ ጎቦ ብምኻድ፡ ኣብቲ ኣብኡ ዚነበረ ገዳም ምስ መነኮሳት ምምባር ጀመረ። ምስ ማኅበረ መነኮሳት ድማ ኣርባዕተ ዓመት ብጾምን ብጸሎትን ርእስኻ ብምግዛእን ኣብ መንፈሳዊ ተጋድሎ ነበረ። ሲሲኮስ ምስ ዚበሃል ኣረጋዊ መነኮስ ኮይኑ ገዳማዊ ሕይወትን መንፈሳዊ ተጋድሎን ምስ’ዚ ኣቦ እዚ ክለማመድ ጸንሐ። እቲ ኣረጋዊ ኣቦ (ሲሲኮስ) ድማ ብዙሕ ኣምላኻዊ ራእያት ይርእይ ነበረ። እዚ ኣቦ እዚ ሓደ ለይቲ ብራእይ ሐዋርያ ቅዱስ ዮሐንስ ወንጌል፡ቅዱስ ጴጥሮስ ድማ መፍትሕ ንቅዱስ ዮሐንስ አፈወርቅ ክህብዎ ረኣየ። በዚ ድማ ናይ መጻኢ ዕብየቱ ተረድአ። ቅዱስ ዮሐንስ አፈወርቅ፡ ርእሱ ካብዛ ዓለም ጽቡቕ ጌሩ ንምስዋርን፡ በይኑ ተዓጽዩ ምምባርን ስለ ዝደለየ፡ ናብ በዓቲ ኣትዩ ክልተ ዓመት ብብሕትውና ነበረ። ኣብኡ ድማ ንጸሎት ለይቲ ለይቲ ብምትጋህ ንርእሱ ድቃስ ብምኽላእ፡ ደው ኢሉ ኣብ ምጽላይን ቅዱሳት መጻሕፍቲ ብቓሉ ኣብ ምጽናዕን ኣብ ጸሎትን ተዘክሮን ነበረ።

ገዳማዊ ሕይወት “ሓቀኛ ፍልስፍና እዩ” ይብሎ ነበረ። ኣብተን ኣብ ገዳም ዝነበረለን ዓመታት ካብ 374-381 ናይ ገዳማዊ ሕይወትን ድንግልናዊ ሕይወትን ዕብየትን ጥቕምን ዚገልጹ መጻሕፍቲ ጸሓፈ። ከምኡ ውን ነቲ ካብ ቀደም ጀሚሩ ወዲ መማህርቱን ዓርኩን ዝነበረን፡ ገዳማዊ ሕይወት ድሕሪ ምምራጹ፡ መሊሱ ብምኽንያት ሓንቲ ሰበይቲ ዚተሰናኸለ ቴዎድሮስ ምኽርን ተግሣፅን ዝጸሓፈሉ ውን ኣብዚ ጊዜ እዚ እዩ። ብ373 ዓ.ም ንጉሥ ቫሌንስ ገዳማዊ ሕይወት ንምጥፋእ፡ መነኮሳት ገዳማቶምን ምንኩስናኦምን ገዲፎም ወተሃደራት ወይ ድማ ናይ መንግሥቲ ሠራሕተኛታት ንኽኾኑ፡ ኣዋጅ ኣብ ዝኣወጀሉ ጊዜ፡ ነቶም ንገዳማዊ ሕይወት ዝቃወሙ መልሲ ዝሓዙ ሠለስተ መጻሕፍቲ ጸሓፈ። ቅዱስ ዮሐንስ አፈወርቅ ነዚ ኣዋጅ እዚ “ካብ ኵሉ ዝኸፍአ ኣዋጅ” በሎ

2. ቅዱስ ዮሐንስ አፈወርቅ ዲያቆን፡ ካህንን ሰባኽን ኣብ ኣንጾኪያ (381-397) ዓ.ም

ደው ኢልካ ብምጽላይን ንናይ ለይቲ ዛሕሊ ርእስኻ ብምግላጽ፡ ለይቲ ንጸሎት ብምትጋህ ንመጽሓፍ ቅዱስ ብቓል ኣብ ምጽናዕን ብሓፈሻ ካብ ብዝሒ ከቢድ ዝኾነ ትሕርምትን ተጋድሎን ዝተላዕለ ሰብነቱ ኣዝዩ ተጎድአ። ትሕርምቱን ተጋድሎኡን ናይ ሰብ ኣካላትን ተፈጥሮን ክሽከሞ ካብ ዝኽእሎ ንላዕሊ ስለ ዝኾነ፡ ናይ ውሽጢ ክፍሊ ኣካላቱ ካብ ጥቕሚ ወጻኢ ክሳዕ ምዃን በጽሑ። ሕይወቱ ኣብ ኣተሓሳሳቢ ደረጃ ብምብጽሑ ዋላ ሓንቲ ኺገብር ስለ ዘይከኣለ ድማ ናብ ኣንጾኪያ ተመልሰ። “እዚ ድማ ናይ እግዚአብሔር ሥራሕ እዩ”፡ ይብል ጳላድዮስ፡ “እግዚአብሔር ንጥቕሚ ቤተ ክርስቲያን መታን ክኸውን ብምኽንያት ሕማም ናይ ብሕትውና በዓቱ ገዲፉ ናብ ኣንጺኪያ ከም ዝመጽእ ገበሮ።” እዚ ናይ ብሕትውና ሕይወቱ ድማ ኣብቲ ዚተረፈ ዘመኑ፡ ኣብ ሕይወቱ ሓደ ቀዋሚ ዝኾነ መንፈሳዊ ኣሰር ገዲፉ እዩ። ናብ ውሽጡ ውን ሰንጢቑ ኣተወ።

ብድኅርዚ ጳጳስ መላጥዮስ ብቕጽበት ብ381 ዓ.ም መጀመርታ ዲቁና ሾሞ። ኣብዚ ድማ ናይ ጥዕናኡ ኩነታት ብዝፈቕደሉ መጠን ከምቲ ኣብ ገዳም ዚነብሮ ዚነበረ ናይ ትሕርምቲ ሕይወት ነበረ። ናይ ዲቁና ጊዜኡ ነቲ ንመጻኢ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ዝህልዎ ተራ ዘርኢ ነበረ። እግዚአብሔር ንዘዳለወሉ ሥራሕን ተግባርን ድሉው ነበረ። “ናይ መንእሰይ ናይ ቤተ ክርስቲያን ቅንኣትን ፍቕርን ካብ ውሽጡ ይወጽእ ነበረ። ኣዝዩ ዓሚቚን ረቂቕን ትምህርቲ ተማሂሩ እዩ። ኩለንትናኡ ንእግዚአብሔር ብምቕናእ ዝተመልአ ነበረ”። ከም ዲያቆንነቱ ኣብ ኣገልግሎት ቅዳሴ ብምትሕግጋዝ፡ ሕሙማትን ድኻታትን ብምንክብኻብ፡ ከምኡ ውን ናብ ክርስትና ንምእታውን ንምጥማቕን ኣብ ምድላው ንዝነበሩ ንኡሰ ክርስቲያን ኣብ ምምሃር ይሳተፍ ነበረ። ናይ ዲቁና ጊዜኡ ናይ ሕዝቢ ሽግርን ድሌታትን ከምኡ ውን ሕሙማትን ድኻታትን ዘድልዮም ምንክብኻብን ሓገዝን እንታይ ከም ዝኾነ፡ ንምፍላጥ ጽቡቕ ዕድል ፈጠረሉ።

ብ386 ዓ.ም ጳጳስ ፍላቭያን ቅስና ሾሞ። ኣብ ናይ ቤተ ክርስቲያን ናይ ሕይወት ጉዕዞን ታሪኽን ወሳኒ ምዕራፍ ዝጀመረ ድማ ብፍላይ ካብዚ ጊዜ ጀሚሩ እዩ ኔሩ። ኣብ ዝቕጽሉ 12 ዓመታት ቀንዲ ሥራሑ ምምሃር (ስብከት) እዩ ኔሩ።

ቅስና ምስ ተቐበለ ናይ መጀመርታ ስብከቱ ጳጳስ ኣብ ዘለዎ ብዙሕ ሕዝቢ ኣብ ዝተኣከቡዎ፡ ደስ ብዘብል ኣዘራርባ ርእሱ ብቑዕ ዘይምዃኑ ብምግላጽ ብትሕትና መሃረ። ካብዚ ጊዜ እዚ ጀሚሩ ዝተረፈ ሕይወቱ፡ ምሉእ ዘመን ሕይወቱ ናብ ዝሃበሉ ናብ ናይ ቤተ ክርስቲያን ኣገልግሎት ናብ ናይ ምምሃር ሥራሑ ተዋፈረ። እቲ ደው ኢሉ ዝሰብከሉ ቦታ ዚተፈተወ ዝፋኑ ነበረ። በቲ ምቁር ዝኾነ ትምህርቱ ናይ ኣንጾኪያ ቤተ ክርስቲያን ከተብርህ ጀመረት። ዓሚቚን ደስ ዘብልን ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ትምህርቱን፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ትምህርቱ ብዛዕባ ክርስቲያናዊ ሥነ ምግባር ዝምህሮ ትምህርትን ተሰሚዑ ዘይጽገብ ፍቱው ነበረ። ኣብ ኵለን ናይ ኣንጾኪያ ኣብያተ ክርስቲያናት ዋላ ውን ኣብ ገጠራት ከይተረፈ እናተዘዋወረ፡ ናይ ሰማዕታት ዕለተ ዕረፍቲ ኪኸውን ከሎ ድማ ዓጽሞም ኣብ ዚዓረፈሉን ብስሞም ኣብያተ ክርስቲያናት ኣብ ዚተሃነፀሉን ቦታታት ሰማዕትነት ኣብ ዝተቐበሉሉ ዕለት (ኣብ ናይ መዘከርታ በዓሎም) ተረኺቡ ይምህር ነበረ። መብዛሕትኡ ጊዜ ግና ብቆስጠንጢኖስ ከም ዚተሃነፀ፡ ኣመሠራርታኡ ግና ኣብ ዘመነ ሐዋርያት ከም ዝኾነ ኣብ ዝንገረሉ ዓቢይ ቤተ ክርስቲያን እዩ ዝምህር ኔሩ። መብዛሕትኡ ጊዜ ሰንበት ሰንበት እዩ ዝምህር። ኣብ ጾመ ኢሱስ (ጾመ ኣርብዓ) ግና መዓልቲ መዓልቲ ይሰብኽ ነበረ።

ኣብ ጾመ ኢሱስ ናይ ክርስቲያናት ተግባር ሓላፍነት ብዝምልከት ብስፍሓትን ብዕምቆትን ብተኸታታሊ ይምህር ነበረ። ኣብቲ ሕብረተ ሰብ ንዝነበረ ብልሽው ሥነ ምግባር ከይሓፈረን ከይፈርሐን ገሠፀ። ኣብ ዘመኑ ዝነበረ ትያትር ዝረኣየሎም ቦታታት ናይ ኣፍራስ ቅድድምን ብዙሕ ብልሽውና ዝተመልአ አረሜናዊ ተግባር ዝረኣየሎም ናይ ዝተፈላለዩ ምርኢታት ከንቱነት ደጋጊሙ ኣበርቲዑ ኣረድአ። ካብቶም ክርስቲያን ዝበሃሉ ውን ከም ኣይሁድን ከም ኣረሜናውያንን ናይ ቤተ ክርስቲያን ትምህርቲ ገዲፎም ናብቶም ናይ ምርኢት ቦታታት ይኸዱ ነበሩ። ብትምህርታቱ ውን ኣብታ ኸተማ ንዝነበሩ ኣሕዛባዊ ልምድታትን ኣረሜናዊ ተግባር ዝረኣየሎምን ብዙሕ ኣነዋሪ ነገራት ዝተመልኡ ትያትራት፡ ናይ ኣፍራስ ቅድድም ንዝኣመሰሉ ብኃይልን ብትርን ይቃወም ነበረ። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰሉ ተግባራት ንዝሳተፉ ክርስቲያን ድማ ከምዚ ዚስዕብ እናበለ ይወቕሶም ነበረ፦


 “ካብዚኣቶም (ካብዞም ክርስቲያን) ንሓደ፡ ኣሞጽ ወይ ኣብድዩ መን እዩ? ወይ ሐዋርያት ወይ ነብያት ክንደይ ኔሮም? ኢልኩም ምስ ትሓትዎም፡ ዓባሳት ክመስሉ ትም ምበሉ፡ እንተ ኾነ ግና ብዛዕባ ኣፍራስ ወይ ተቐዳደምቲ ወይ ብዛዕባ ካልኦት ምርኢት ዘቐርቡ ወይ ብዛዕባ ተወዳደርቲ እንተ ትሓትዎም፡ ካብቶም ናይ ዘረባ ጥበብ ዚተማህሩ ብዘይንእስ ኣገላልጻ ብጥንቃቐን ብስምዒትን ኮይኖም እዮም ዝምልሱ።” 

ነውርን ነቐፋን ዘይብሉ ዚተቐደሰ ሕይወቱ ንስብከቱ ኃይልን ግርማን ሃቦ። ምምሃር ካብ ዝጅምር ኣብ ውሽጢ ሓጺር ጊዜ ኣብ ልቢ ናይ ሕዝበ ክርስቲያን ኣተወ። ናይቲ ሕዝቢ ፍቕሪ ድማ ረኸበ። ንሱ ኣብ ዝምህረሉ ጊዜ ኵሉ ናይ ቤተ ክርስቲያን ቀጽሪ ብሕዝቢ ይመልእን ይጸብብን ነበረ።

ኣብ ልዕሊዚ ናይ ኣንጾኪያ ተግባሩ ብ387 ዓ.ም ዚተፈጠረ ሓደ ክስተት ነቲ ዝተዋህቦ ጸጋ ኣብዚሑን ጽቡቕ ጌሩ ክጥቀመሉን ብዝበለጸ ክደክምን ከም ዘለዎ ዝገብር ኩነታት ተፈጥረ። ናይ ከተማ ኣንጾኪያ ተቐማጢ ሕዝቢ ቀረጽ በዚሕዎ የማርር ስለ ዝነበረ፡ ናይቲ ካብ 379-395 ነጊሡ ዚነበረ ንጉሥ ቴዎዶስዮስ ቀዳማውን ናይ ሰበይቱን ናይ ኣርቃዴዎስ ዚተባህለ ወዱን ሓወልቲ ብምስባርን ነቲ ስብርባር ድማ ኣብታ ከተማ ብምጕታትን ከምኡውን ካልኦት ናይ ተቓውሞ መግለጺ ብምጥቃም ተቓውሞኦም ገለጹ። እቲ ንጉሥ ድማ ነዛ ኸተማ ብምልእታ ከጥፋኣ እየ ኢሉ  ፈከረ። ኣብቲ ሽዑ ጊዜ እቲ ኣረጋዊ ጳጳስ ፍላቭያን ነቲ ንጉሥ ኪልምኖ ኢሉ ናብ ቁስጥንጥንያ ክኸይድ ከሎ፡ ንሱ (ቅዱስ ዮሐንስ አፈወርቅ) ድማ ነቲ ሕዝቢ ኣብ ናይ ምጽንናዕን ምርግጋእን ሥራሕ ተጸምደ።

በቲ ንብዙሕ ኣዋርሕ ዝቐጸለ ናይ ጭንቀት ጊዜ ቅዱስ ዮሐንስ አፈወርቅ ነቲ ሕዝቢ ብምጽንናዕ፡ በደሎም ባዕሎም ከም ዝርድኡ ብምልማን፡ ከምኡውን ክፉእ ምግባሮም ንኸቋሩጹን ብምምካር ተኸታታሊ ትምህርቲ መሃረ። እዞም 21 ተኸታተልቲ ስብከታት “ትምህርት በእንተ ምክንያተ ሐወልታት” ተባሂሎም ይፍለጡ። ከምዚ ተባሂሎም ዚተሰየሙ ድማ በቲ ነቲ ትምህርቲ ምኽንያት ዝኾነ ምስባር ሓወልቲ ናይቲ ንጉሥ እዩ።  
ሓደ ናይ ቤተ ክርስቲያንና ናይ ታሪኽ ሊቅ። “እዞም ስብከታት እዚኣቶም  ብታሪኽ ተገዲፎም ካብ ዝኸዱ ሥራሓት ተወዳዳሪ የብሎምን” ይብል። ነቶም ተረቢሾምን ተስፋ ቖሪጾምን ዚነበሩ ሕዝቢ ከተማ ኣንጾኪያ፡ ምስ ኣጸናንዐን ምስ ኣረጋግአን፡ ኣብቲ ሕዝቢ ተለሚዶምን ኣስፋሕፊሖምን  ንዝነበሩ ጌጋታት ናብ ምስትኽኻል ቀጸለ። ብፍላይ ድማ ማሕላ ምምሓልን ካልኦት ጌጋታትን ንኽገድፉ፡ ከምኡውን ናይዚ ዓለም ጊዝያውነትን ከንቱነትን ከስተውዕሉ ከም ዘለዎም ብትሪ መሃረ።

እዞም ትምህርታት እዚኣቶም ብ387 ዓ.ም ኣብ ጾመ ኢየሱስ (ጾም ኣርበዓ) እዮም ተሰቢኾም። ሓደ ናይዞም ትምህርታት እዚኣቶም ውጽኢት ዝኾነ ድማ ኣዝዮም ብዙሓት ኣረማውያን ተጠሚቖም ናብ ክርስትና ምእታዎም ነበረ። ኣብቲ ኣጨናቒ ዚነበረ ናይ ሽግር ጊዜ፡ ብናይ ቅዱስ ዮሐንስ ስብከትን ድኻምን ብፍቓድ እግዚአብሔር ቤተ ክርስቲያን ጽቡቕ ፍረ ዘፍረየትሉ ጊዜ ኮይኑ ሓለፈ። እቲ ንጉሥ ድማ ብልመና ናይቲ ኣብ ናይ ሽምግልና ዕድሜኡ ናብ ቁስጥንጥንያ ዝኸደ ጳጳስ ፍላቭያን ነታ ኸተማን ነቲ ሕዝብን ይቕሬታ ገበረሎም። ንጉሥ ቴዎዶስዮስ ቁጡዕን ኃያልን እኳ እንተ ነበረ፡ ንናይ ቤተ ክርስቲያን ኣቦታት (ንጳጳሳት) ግና ዓቢይ ኣኽብሮት ነበሮ። ኣብ ካልእ ጊዜውን ንሰብ ተሰሎንቄ ብጅምላ ብምጭፍጫፉ ምኽንያት፡ ንተግሣፅ ናይ ሚላን ጳጳስ ዚነበረ ቅዱስ አምብሮስ ርእሱ ኣድንን ኣቢሉ ብትሕትና ተቐቢሉ እዩ።....ይቕጽል

No comments:

Post a Comment