bieteelyas.blogspot.com ቤተ ኤልያስ

Wednesday 14 September 2016

ናይ ቅዱስ ዮሐንስ አፈወርቅ ሕይወቱን ትምህርቱን 1ይ ክፋል

ቅዱስ ዮሐንስ አፈወርቅ ቤተ ክርስቲያን ካብ ዘፍረየቶም ሰባኽያንን መተርጉማንን ዓቢይን ሕያዋይን ኣቦ እዩ። ክሳዕ ሎሚ ድማ ኣብ መላእ ናይ ክርስትና ዓለም ዝለዓለ ቦታ ሒዙ ይርከብ። ኣበር ዘይብሉን ደስ ዘብልን ናይ ሕይወት ኣሰር ገዲፉ ዝሓለፈ፡ ብሰባኽያንን መተርጉማንን ዘወትር ዚንበብን ዚጥቀስን፡ ኣብ ኵላቶም ከምኡ ጌሩ ብፍቕሪ ዝዝከርን የለን። ካብ ድሕሪ ዕረፍቱ ካብ መወዳእታ ናይ 5ይ ክፍለ ዘመን ጀሚሮም ብተጋድሎኡን ብትምህርቱን ብቕድስና ናይ ሕይወቱን ዘድንቕዎን ዝፈትዉዎን ክርስቲያን ብድሕሪ ዕረፍቱ “አፈወርቅ” ዝብል ቅጽላዊ መጸውዒ ሃብዎ። እዚ ድማ ካብቲ ዮሐንስ ዝብል ቀንዲ ናይ መጸውዒ ስሙ ንላዕሊ ጎሊሑ ዝፍለጠሉን ዝጽውዓሉን መጸውዒ ክሳዕ ምዃን ዝበጽሐ  ኮይኑ፡ ነቲ ንቤተ ክርስቲያን ዘበርከቶ ዓቢይ ኣስተዋጽኦ ግቡእ ዝኾነ ሓፈሻዊ መግለጺ እዩ። ኣብዚ ቀዳማይ ክፋል ናይ ቅዱስ ዮሐንስ አፈወርቅ ሕይወቱ ብኸምዚ ዝስዕብ ክንርእይ ኢና፦ 

1. ካብ ቁልዕነቱ ጀሚሩ ክሳዕ ዚጥመቕ

ቅዱስ ዮሐንስ አፈወርቅ ብ347 ዓ/ም ኣብታ ናይ ሶርያ ርእሲ ከተማ ዚነበረት፡ ካብ ኣሕዛብ ናብ ክርስትና ንዝኣትዉ ክርስቲያናት መነሃርያ ኣብ ዚነበረት፡ ክርስቲያናት ንመጀመርያ ጊዜ “ክርስቲያን” ተባሂሎም ኣብ ዚተጸውዑላ ኣብ ከተማ ኣንጾክያ ተወልደ። ኣንጾክያ ናይ ምብራቓዊ ናይ ሮማ ግዝኣት ብድሕሪ ቁስጥንጥንያ ካልኣይቲ ትሥራዕ ከተማ ነበረት። ራብዓይ ሚእቲ ክፍለ ዘመን ዚተፈላለዩ መናፍቓን (መነናውያን፡ ግኖስቲካውያን፡ ኣርዮሳውያን፡ ኣቡሊናርዮሳውያን) ከምኡ ውን ኣይሁዳውያንን መምለኻያነ ጣዖት ዝኾኑን ኵላቶም ኣብ ከተማ ኣንጾክያ ነናቶም እምነት ንምስፍሕፋሕ ይጓዩሉ ዚነበሩ ዘመን እዩ። ኦርቶዶክሳውያን ክርስቲያናት ንባዕሎም ብምኽንያት እቲ ኣብ መንጎ ጳጳስ መላጥዮስን ጳውሊኖስን ዚነበረ ፍልልይን ምምቕቓልን ኣብ ክልተ ተኸፊሎም ነበሩ። ስለዚ ናይ ቅዱስ ዮሐንስ አፈወርቅ ናይ ንእስነት ዘመኑ፡ ኣብቲ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ኣሸጋሪ ኩነታት ዚነበረትሉ ዘመን እዩ ኔሩ።

ኣቦኡ ሴኩንድስ ዚተፈልጠ ዓቢይ መኮንን እኳ እንተ ነበረ፡ እንተ ኾነ ግና ቅዱስ ዮሐንስ ገና ሕፃን ከሎ እዩ ሞይቱ። ኣዲኡ ኣንቱዛ ብሃይማኖታን ብምግባራን፡ ኣዝያ ብጣዕሚ ዝተደነቐትን ዚተመስገነትን ክርስቲያን ነበረት። ገና ጓል 20 ዓመት ከላ ሰብኣያ እኳ ብሞት እንተ ተፈልያ፡ ንዝኾነ ዓይነት ሕቶ ናይ ካልኣይ ጊዜ መርዓ ብዘይ ምቕባል ነቶም ኣቦኦም ገዲፍዎም ዝዓረፈ ክልተ ደቃ ቅዱስ ዮሐንስን ዓባይ ሓፍቱን ኣብ ምምሃር ኣተኮረት። ኣንቱዛ ክርስትና ኣብ ሕይወት ደቂ ኣንስትዮ ከመይ ኢሉ ከም ዘብርህን ዘለዎ ኣወንታዊ ጽቡቕ ተጽዕኖ ብተግባር ብምርኣይን፡ ኣብቲ ዘመን ምስ ዝነበራ ፍጹም ሃይማኖተኛታት ኣዴታት ዘመድብ ሕይወት በጺሓ ነበረት። ናይ ኣዲኡ ናይ ኣንቱዛ ዚተቐደሰ ሕይወት፡ ኣብ ልዕሊ ክርስቲያን ጥራይ ዘይኮነስ ብኣሕዛብን በቶም ኣብቲ ዘመን ዚነበሩ ዓበይቲ ምሁራንን ከይተረፈ ዚተደነቐ ነበረ። ሊባንዮስ ዚተባህለ ቀንዲ ናይ ኣሕዛብ ቀበለ እምነት (Heathenism, Paganism) ጠበቓ ዚነበረ፡ ናታ ጽንዓትን ሕይወትን ምስ ሰምዐ “ኣቤት! ካብ ወገን ክርስቲያናት ከመይ ዝበለ ኣደናቒ ዝኾነ ናይ ቅድስና ሕይወት ዘለወን ኣንስቲ ኣለዋ!” ኢሉ ንምግራም ተገዲዱ እዩ።

ኣዲኡ ኣንቱዛ ወዳ ቅዱስ ዮሐንስ አፈወርቅ ፍልስፍናን ናይ ኣዘራርባ ክእለት (ጥበብ ዘረባ) ኣብ ዘመኑ ካብ ዝነበሩ ዓበይቲ መምሃራን ከም ዝመሃር ገበረት። ከምኡ ውን ኣብ ኣእምሮ ናይ ወዳ ገና ካብ ቁልዕነቱ ጀሚሩ ናይ እምነት ዘርኢ ጽቡቕ ጌራ ዘርአት። እዚ ናይ እምነት ዘርኢ እዚ ድማ ድሓር ንርእሱን ንቤተ ክርስቲያንን ኣዝዩ ጠቓሚ ዝኾነ ብዙሕ ፍረ ኣፍረየ። ብናይ ኣዲኡ ተግሣፅን ብናይ መጽሓፍ ቅዱስ ትምህርትን ኣብ ዘመኑ ኣስፋሕፊሑ ካብ ዚነበረ ኣሕዛባዊ  ከንቱ ኣተሓሳስባ ተሓለወ።

ኮይኑ ግና ክሳብ ዝዓቢ ኣይተጠመቐን ነበረ። ኣብቲ ቤተ ክርስቲያንና ንደቃ ካብ ኣሕዛብነት ናብ ክርስትና ተሰጋግረሉ ዚነበረት ዘመን፡ ብዝሒ ናይ ዝጥመቑ ንኡሰ ክርስቲያን (ሓደሽቲ ኣመንቲ) ካብ ናይ ተጠመቕቲ ሕፃናት ቁጽሪ ኣዝዩ ይበልጽ ነበረ። ካብዚ ዚተላዕለ ብዙሓት ናይ ቤተ ክርስቲያንና ሊቃውንት ከም በዓል (ቅዱስ ቄርሎስ ጳጳስ ዘኢሩሳሌም ባዕሉ ቅዱስ ዮሐንስ አፈወርቅን ካልኦትን) ንንኡሰ ክርስቲያን ቅድሚ ምጥማቖምን ናብ ቅዱስ ቊርባን ቅድሚ ምቕራቦምን ክመሃርዎም ዝግብኦም ቅጥዕታትን መሠረታዊ ትምህርታትን ኣዳልዮም እዮም። ሓደ ሓደ ናይ ክርስቲያን ቤተ ሰብ ከይተረፉ ናይ ደቆም ጥምቀት ክሳዕ ዝዓብዩ የደንጉይዎም ነበሩ። እዚ ድማ ንጥምቀት ካብ ዘለዎም ዓቢይ ክብሪ ዚተበገሰን፡ ቀልጢፍካ ምጥማቕ ናይ ጥምቀት ጸጋ መሊስካ ናይ ምጥፋእ ስግኣት ኣለዎ ካብ ዝብል ኣብ ዘመኑ ካብ ዝነበረ ናይ ፍርሃት ኣተሓሳስባ ዚተላዕለን እዩ። እዚ ድማ ከምዚ ሕጂ ብዙሓት ንስሓ ምእታውን ምቚራብን ክሞቱ ክሳዕ ዝቀራረቡ ከም ዝድንጉዩ ግጉይ ዓይነት ኣተሓሳስባ እዩ። ቅዱስ ዮሐንስ አፈወርቅ ድሒሩ እዚ ልማድ እዚ ቅኑዕ ከም ዘይኮነ ኣጥቢቑ ይኹንኖ።

ኣብ ዘመኑ ዝነበረ ትምህርቲ ናይ ኣዘራርባ ጥበብ (ክሂሎተ ነቢብ)፡ ኣብቲ ዘመን ቀዳማይ ሊቅ ካብ ዚነበረ፡ ሊባንዮስ ካብ ዚተባህለ መምህር ተማህረ። ፍልስፍና ድማ ኣብ ኣቴንስ ካብ ዚነበሩ ፍሉጣት መምሃራን ተማህረ። ብሓፈሻ ፍልጠቱ ብትምህርቱን ብናይ ምስትውዓል ክእለቱን፡ ልዕሊ ኩሎም እቶም ምስኡ ዝመሃሩ ዚነበሩ ኣዕሩኽቱ ነበረ። እዚ ትምህርቱ እዚ ውን ንቐጻሊ ንዝዋፈረሉ ናይ ቤተ ክርስቲያን ኣገልግሎት ኣዝዩ ጠቒምዎ እዩ። ቅዱስ ዮሐንስ አፈወርቅ ናይ ሊባንዮስ ምሩጽን ፍቱውን ተመሃሪ ነበረ። ሊባንዮስ ክመውት ኣብ ዝተቓረበሉ ጊዜ “መን ክትክኣካ ኢኻ ትደሊ?” ኢሎም ምስ ሓተትዎ፡ “እዞም ክርስቲያን ካባና ሰሪቖም እንተ ዘይወስዱልና ኔሮም ዝትክኣኒ ዮሐንስ እዩ ኔሩ” ክብል መለሰሎም።

ትምህርቱ ምስ ወድአ ንቁሩብ ጊዜ ጠበቓ ኮነ። እዚ ሥራሕ እዚ ንሸመት መንግሥትን ሥልጣንን ቀንዲ ኣፍ ደገ ዝኸፍት ነበረ። ኣብ ኣብያተ ፍርዲ ክእለት ዘረባን ፍሉይ ተሰጥኦን ምርኣይ ንዓበይቲ ሽመታት፦ ካብ ሚኒስተርነት ክሳዕ ቀዳማይ ሚኒስተር ከብጽሕ ዝኽእል ጎደና ነበረ። ኣብ ቤተ ፍርዲ ዝገብሮም ዝርርባት በቶም ዝሰምዕዎን ብመምህሩ ብሊባንዮስ ከይተረፈ ዓቢይ ኣድናቖት ረኸበ። እንተ ኾነ ንሱ ግና በዚ ሕጉስ ኣይኮነን። ኣብ ማእከል እቲ ሞራላዊ ደረጃኡ ዚተበላሸወ ሕብረተ ሰብ ምንባር ኣጽልኦ። ንክፉእ ጉዳይ ጽቡቕ ኣምሲልካ ብምቕራብ ዝርከብ ገንዘብ ናይ ሰይጣን ደሞዝ ምቕባል ኮይኑ ተስምዖ። ንክርስትና ዘለዎ ዝምባለን ፍቕርን እናወሰኸ መጸ። ዚተዋህቦ ዓቢይ ጸጋ ቅዱሳት መጻሕፍቲ ንምጽናዕን ንኣገልግሎት ቤተ ክርስቲያንን ንምውዓል ኣዘንበለ።...ይቕጽል

No comments:

Post a Comment