bieteelyas.blogspot.com ቤተ ኤልያስ

Monday 26 September 2016

መስቀል ዘንጠልጠሉ ናይ መስቀል ጸላእቲ


በስመአብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ፩ዱ አምላክ አሜን! እንቋዕ ናብ ክቡር በዓለ መስቀል ናይ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ብሰላም ኣብጸሓና ርሑስ ኣወድኣመት ድማ ይግበረልና::
 መስቀል ኣብ ክሳድና ኣብ ኢድና ኣብ ገዛና ኣብ ሥራሕና ናይ ጸሎት ክፍልናን እነንጠልጥለሉ ነብሱ ዝኸኣለ መንፈሳዊ ትርጉምን ጥቕምን በረኸትን እኳ እንተ ሃለዎ፡ ኵሉ መስቀል ዘንጠልጥል ናይ መስቀል መንፈሳዊ ትርጉም ዝተረድአን ንኽብሪ መስቀልን እዩ ዘንጠልጥሎ ክትብል ግን ኣየድፍረካን እዩ። ምኽንያቱ ሓደ ሓደ ሰባት መስቀል ከም መጋየጺ ወይ ውን ኩሉ ሰብ ስለ ዝገበሮ ከም ፋሽን ዝገብርዎ ኣለዉ፡ ኣብ ገሊኡ ድማ ብግልጺ ሥራሕ ናይ ዲያብሎስ ዝግለጸሉ መስቀል ኣብ ዘይትእሰሮን ዘይትስቆሮን ዘይትሰኣሎን ቦታ የለን፡ ገሌና ድማ ብልምዲ ጥራይ ኣብ ገዛና ኣብ ኢድና ወይ ኣብ ክሳድና እነንጠልጥሎ ሰባት ኣለና። 


መስቀል ግን ንክርስቲያን እንታይ እዩ?

መስቀል እኮ “ሰላም” እዩ። “ንሱ ነዞም ክልተስ ሓደ ዝገበረ፡ ነቲ ኣብ መንጎ ዝነበረ ኸልካሊ ቐጽሪውን ዘፍረሰ፡ ሰላምና እዩ /ኤፌ 2፡14/። እሞ’ኸ ድኣ ሎሚ ኣብ ክሳድናን ኣብ ገዛናን መስቀል ኣንጠልጢልና ኣብ ኣእዳውና ነዚ ናይ ሰላም ምልክት ዝኾነ መስቀል ጨቢጥና “ሰላም ለኵልኩሙ” እናበልና “ሰላም ናይ ውሽጥና ዝተዘርገ” ምስ ሰበይትናን ምስ ሰብኣይናን ሰላም ዘይብልና፡ ምስ ኣቦናን ኣዴናን ኣሕዋትናን ደቅናን ዝነበረት ናይ ሰላም ገመድ ዝበተኽና፡ ኣብ ከባቢና ናይ ዕግርግርን ባእስን መናኸስቲ ዝኾንና ሰባት መሰቀል ምእሳርናስ ንኽብሪ ድዩ ዋላስ ንሓሳር? ጸላእቲ መስቀል ወይስ መፍቀርቲ መስቀል? መስቀል እንታይ ድዩ? መስቀል እኮ ዕርቂ እዩ “ብመስቀሉውን ነቲ ጽልኢ ብእኡ ቐቲሉ፡ ንኽልቲኦም ብሓደ ስጋ ምስ ኣምላኽ ኣተዓረቖም። /ኤፌ 2፡16/። ሕጂ ውን ኣብ ገዛና መስቀል ኣሎ ኣብ ክሳድና ውን መስቀል ኣሎ ምስ በዓል/ቲ ቤትና ተባኢስና ክዓርቁና ዝመጹ ካህን ውን መስቀል ሒዞም ኣለዉ ንዕርቂ ዝኸውን ልቢ ግን ወይከ! ካበይ ይምጻእ? እሞ ንሕናስ ኣሲርናዮ ዘለና መስቀል ጸላእቱ ዲና ዋላስ ፈተውቱ? መስቀል “ዕርቂ” ክነሱ ዕርቂ እናጸላእኩ ንመስቀል የፍቅር እየ ኢልካ ዓሻ ጠበቓ ሒዝካ ምስ ሕልናኻ ምክርኻር ኣየዐውትን እዩ። መስቀል ኣሲርካ ይቕረ ዘየብለካስ እንታይ እዩ? ኣዚኻ ስለ ዝተበደልካ ዲኻ? ብርግጽ ማንም ዓይነት በደል ምስቲ ኣል ልዕሊ’ቲ ኣንጠልጢልካዮ ዘለኻ መስቀል ከይኑ ዝግረፍ ዝጽረፍ ጡፍ ዝበሃለሉን ዝኽትከትን ዝነበረ ክርስቶስ ጐይታኻ/ኺ ዝወረዶ በደል ክነጻጸር እንከሎ ከንቱ እዩ። ንሱ ግን ከምዚ ናትካ ተበዲለ እየ ተገሪፈ እየ ተጸሪፈ እየ እሞ ንሶም ይቕረ በለልና ይበሉኒ ኣይበለን። 

ኣታ ኸንቱ ሰብ እሞ ንስኻ ድኣ ካብ ኣምላኽካ ትበልጽ ዲኻ? ወይስ እዚ እኮ እዩ እቲ ምስ ኣቡኡ ኣዲኡ የሕዋቱ ሰበይቱ መሳርሕቱ ኣይዕረቕን ዝበለ ክርስቲያን እናተባሃልካ ስም ኣምላኽካን ነቲ ናይ ዕርቂ ምልክት ዝኾነ መስቀል ከተጽርፍ ኢኻ ተንጠልጥሎ ዘለኻ? እስኪ በዚ ክቡር በዓል ንነብስኻ ከምዚ ኢልካ ሕተታ ”ንስኺስ ፈታዊት መስቀል ዲኺ ወይስ መስቀል ዘንጠልጠልኪ ጸላኢት ናይ መስቀል?” እዋእ እንታይ ድዩ እዚ መስቀል? መስቀል! መስቀል ድኣ “ሓድነት” እዩ። "ንሱ ነዞም ክልተስ ሓደ ዝገበረ፡ ነቲ ኣብ መንጎ ዝነበረ ኸልካሊ ቐጽሪውን ዘፍረሰ፡ ሰላምና እዩ " /ኤፌ 2፡14/ ። በዚ መስቀል እዚ ህዝብን ኣህዛብን (ዝተገዝሩን ዘይተገዝሩን) ሰብን መላእኽትን ሰባት ምስ እግዚኣብሔር ሓደ ኮይኖም እዮም። እሞ ንስኻ ድኣ ኣንታ ምሥጢር ሓድነት ሰብኣይን ሰበይትን ዝኾብለለካ ኩቡር ሓወይ ኣብ ጊዜ ቃል ኪዳን ጨቢጥካ  "ሓሚማ መኺና ሰኒፋ....ኢለ ከይገድፋ ኣብ ቅድሚ እግዚአብሔር ኣብ ቀድሚ ካህኑን ...እምሕል ኣለኹ እናበልካ ዝመሓልካላ መስቀል ዘክር እሞ ሓደ ልቢ ንምዃን ጽዓር፡ ኣብታ ኩለንትናኣ ብመስቀል ዝወቀበትን ኣብ መስቀል ዝፈሰሰ ክቡር ደምን ዝተቖርሰ ቅዱስ ሥጋኡን ንኹሉ ክትዕድል ዝተሠርሐት ቤት ብዓደይ ዓድኻ ብሩባን ብኹርባን ብቛንቋን ብዘርእን ብኣውራጃን እትፈላሊ መስቀል ድኣ ካበይ ሸሚትካያ? ናይ ሓድነት ምልክት ዝኾነ መስቀል ኣንጠልጢልካ ናይ ጳወሎስ ናይ ኣጵሎስ እናበልካ እትፈላሊ’ስ ትርጉም መስቀል ተገልቢጥካ ኣሎ’ሞ በጃኻ በዛ ክብርቲ ዕለት ኣስተኻኺልካ ተኸደኖ! 
መዓስ እዚ ጥራይ መስቀል “መከራ” እዩ። “መስቀሉ ኣልዒሉ ደድሕረይ ዘይስዕብ ንኣይ ኣይበቅዕን። እቲ ንህይወቱ ዚረኽባ ኼጥፍኣ እዩ፡ እቲ ንህይወቱ ምእንታይ ዜጥፍኣ ከኣ ኪረኽባ እዩ" /ማቴ 1፡38-39/።

 ፈተና ናይ ሓዳር በርቲዑኒ ድኽነት ኣይከኣልኩን መኻንነት ኣይሓሰብክዎን ጠባዩ ተቐያያሪ ኮይኑ ወዘ..ተ እናበልኪ ቃል ኪዳንካኪ እተፍርሲ እታ ኣብ ጊዜ ቃል ኪዳን ዝጨበጥክያ መስቀል እኮ ትርጉማ “መከራ” ዝብል እዩ ኔሩ። እወ ዝመጸ እንተ መጸኒ ንስለ ክርስቶስ ክብል “ኃይሊ ብዝህበኒ ብክርስቶስ ኵሉ ክኽእሎ እየ” እናበልኩ ክሓልፎ እየ ኢልኪ ዝመሓልክሉ መስቀል በዚ ሎሚ መዓልቲ ዘክክርዮ እሞ ማዕረ ክንደይ ከም ዘዋረድክዮን ትርጉሙ ከም ዝረሳዕክዮን ፈሊጥኪ ተመለሲ። እስኪ መልሱለይ! መስቀል ተሰኪምካ ዶ ፈተና ቤተ ክርስቲያን በርቲዕኒ ኢልካ ቅዳሴን ዝማሬን ይግደፍ እዩ? መስቀል ኣንጠልጢልካ’ዶ ኸ ቤተ ክርስቲያን ንምዕናው ብሓሜትን ብነቐፌታን ሥርዓታን ኣቦታታን ብምቅላል ትስልበጣ ኢኻ? መስቀል ኣንጠልጢልካስ ትጽረፍ ትስጎግ ትእሰር ትስየፍ እምበር ብኣንጻሩ? መስቀል ጨቢጥካ’ዶ ኸ ኣበይ ኣሎ ጽቡቕ ዝብልዖ ብዙሕ ዝኽፈሎ እናበልካ ጸበል ንምንጻግ ሃብታምን ድኻን ትፈላሊ ኢኻ? ከም’ዚ ትገብር እንተ ድኣ ሃሊኻ ብሓቂ ንስኻ “መስቀል ዝጨበጠ ጸረ መስቀል” ኢኻ። 

መስቀል እኮ እዚ ጥራይ ኣይኮነን፡ ትርጉሙስ ዘርዚርካ ኣይውዳእን እዩ። የግዳስ ዓቕምና ድሩትን ውሱንን ስለ ዝኾነ ንዅሉ ብዝጠምር ቋንቋ መስቀል “ፍቕሪ” ኢዩ ብምባል ክንዛዝሞ። "ብእኡ ዚኣምን ኵሉ ናይ ዘለዓለም ሕይወት ምእንቲ ኺረክብ እምበር፡ ከይጠፍእሲ፡ ከምቲ ሙሴ ኣብ በረኻ ተመን ዝሰቐለ፡ ከምኡ ድማ ወዲ ሰብ ክስቀል ይግባእ እዩ። ኣምላኽ በቲ ሓደ ወዱ ዝኣመነ ዅሉ ናይ ዘለኣለም ሕይወት ምእንቲ ኺረክብ እምበር፡ ከይጠፍእሲ፡ ንወዱ በጃ ኽሳዕ ዚህብ፡ ክሳዕ ክንድዚ ንዓለም ኣፍቀራ" /ዮሐ 3፡14-16/። ኣብ መስቀል ዝተፈጸመ ፍቕሪ መጠን ኣልቦ ፍቕሪ እዩ። በዚ ድማ ኢና መስቀል ፍቕሪ እዩ ዝበልና። መስቀል ኣንጠልጢልና ልብና ብጽልኢ ዝጸለመን ዝሰበበን፡ ከምዚ ኢልና ድማ ብትእምርተ መስቀል ኣማዕቲብና ጸሎት እንጅምር፡ ምስ መንፈሳውያን የሕዋትና ተጻሊእና መስቀል ዝተሰለመ ልብሰ መዘምራን ለቢስና በቲ ጸሊም “ልብና መስቀል ኃይልነ መስቀል ጽንእነ መስቀል ተስፋነ…..” እናበልና እንዝምር፡ ደጊምና ውን ልብና ናይ ጽልኢ ኣዳራሽ (ናይ ዲያብሎስ ቤተ መንግሥቲ) ክነሱ ነቲ ምእንቲ ፍቕሪ ዝፈሰሰ ደም ጐይታ ብጸሊም ልብና ብድፍረት ብዕርፈ መስቀል ጌርና እነቐብል፡ እዋእ እንታይ ድኣ ኢና ወደይ ንሕና? ኣፍቀርቲ መስቀል ዋላስ “መስቀል ዘንጠልጠሉ ብዛዕባ መስቀል ዝዝምሩን ስለ ክብሪ መስቀል ዝምህሩን ትርጉም መስቀል ዝጠፍኦም ናይ መስቀል ጸላእቲ ኢና?”

እቶም ብምኽንያት በዓል መስቀል “ዓቢ ለይታዊ ትልሂት” ኢልና ነዋዓውዕን፡ ነዚ መዋዓውዒ ተኸቲልና ኣብ ግብሪ ንምውዓል በዚ ክቡር በዓል ብዝሙትን ብስኽራንን ብጓይላን ብዳንኬራን ብባእስን ዕግርግርን እነሕልፎኸ ምስ ምንታይ ንቆጸር? ምልክት መስቀል ዘለዎ ኽዳን ምኽዳን መስቀል ምእሳርን’ሲ ጽቡቕ ኔሩ። ንዕኡ ተኸዲንካ ምስካርን ኣብ ፈቐዶ ለይታዊ ትልሂታት ምሕዳርን ኣብ ስርቅን ቅትለትን ምርካብን’ግን ክብሪ መስቀል ምቕንጣጥ እምበር መስቀል ምኽባር ኣይኮነን። እምበኣረከስ መስቀል ምንጥልጣል ጥራይ ዘይነ ትርጉሙ ፈሊጥና ክንኣስሮን በረኸት ክንረኽበሉ ከም ዝግበኣና ክንመላለስን ብመስቀሉ ዝዓደገና ናይ ፍቕሪ ኣምላኽ በዚ ክቡር ዕለት እዚ ይዕድመና ኣሎ እሞ ሃየ ኣብ ክሳድናን ገዛናን ዘሎ መስቀል ብመንፈሳዊ ትርጉሙ ክንጥቀመሉ ንበራበር።

ምስጋና ንእግዚአብሔር ንወላዲቱ ድንግልን ንመስቀሉ ክቡርን ንዘለዓለመ ዓለም ይኹን ኣሜን!!!

No comments:

Post a Comment