bieteelyas.blogspot.com ቤተ ኤልያስ

Sunday 18 September 2016

ናይ ቅዱስ ዮሐንስ አፈወርቅ ሕይወቱን ትምህርቱን 2ይ ክፋል

2. ጥምቀትን ገዳማዊ ሕይወትን

እቶም ብጥንቃቐን ብጽሞናን ዘንብቦም ቅድሳት መጻሕፍቲ፡ ናይ ኣዲኡ ኣርኣያነት ዘለዎ (ኣብነታዊ) ናይ ቅድስና ሕይወትን ምስ ጳጳሰ መላጥዮስ ምፍላጡን ናይ’ቲ ናይ ገዳማዊ ሕይወት ዝንበለ ዝነበሮን ብዕድመ መዘናኡ ዝኾነን ዓርኩ ናይ ቅዱስ ባስልዮስ ተጽዕኖን ኣብ ሕይወቱ ቀስ ብቐስ ለውጢ ኣምጽኡ። ናብቶም ምስ ዓበዩ ዚጥመቑ ንኡሰ ክርስቲያን ብምእታው፡ ድሕሪ እቲ ልሙድ ናይ ሠለስተ ዓመት ትምህርትን ናይ ፈተና ጊዜን ኣብ መበል 23 ዓመቱ /ብ370 ዓ/ም/ ብጳጳስ መላጥዮስ ተጠመቐ። ካብዚ ጊዜ እዚ ጀሚሩ ይብል ዜና ሕይወቱ ዚጸሓፈ ናይ ሄልዮ ፖሊስ ጳጳስ ዚነበረ ጳላድዮስ፡ “ፈጺሙ ኣይመሓለን፡ ንዋላ ሓደ ኣይረገመን፡ ሓሶት ኣይተዛረበን፡ ዘይጠቅምን ዘይረብሕን ነገር ተዓጊሱ ኣይሰምዐን፡ ጥምቀቱ ነዛ ዓለም እዚኣ ፈጺሙ ዝኸሓደላ ንክርስቶስ ንምግልጋል ርእሱ ዝሃበላ፡ ካብ ዓለም ንክርስቶስ ዚተፈልየላ፡ ፍጹም ዝኾነ ለውጢ ናይ ሕይወት ዝገበረላ ነበረት። እቲ ለውጢ ድማ ፍጹምን ቀጻልን ነበረ።”

በዚ መንእሰይ ብናይ ቅዱስ ዮሐንስ አፈወርቅ ሥነ ምግባርን ሓፈሻዊ ኩነታትን ብምሕጓስን፡ ናይዚ መንእሰይ ናይ መጻኢ ዕብየቱ ዚተረድአ ናይ ኣንጾክያ ጳጳስ መላጥዮስ፡ ኣብ ኣገልግሎት ናይ ቤተ ክርስቲያን ንኽዋፈር ስለ ዝደለዮ፡ ኣናጉስጢስነት (ናይ ኣንባቢ መዓርግ) ሾሞ። ምስ ተጠመቐ ናቱ ድሌትን ዝንባለን ግና ናብ ገዳም ከይዱ ኣብኡ ገዳማዊ ሕይወት ምምራሕ እዩ ኔሩ። እንተ ኾነ ግና ናይ ኣዲኡ ጽኑዕ ዝኾነ ልመናን ምሕጽንታን ናይ ገዳማዊ ሕይወቱ ድሌት ካብ ምምላእ ንጊዚኡ ድኣ ይኹን እምበር ኣደናጉይዎ እዩ። ኣዲኡ ብሕይወት ክሳዕ ዘላ ተፈልይዋ ንኸይከይድ፡ ካብዚ ዓለም ምስ ተፈልየት ግና፡ ናብ ገዳም ንምኻድ ዝኽልክሎ ዋላ ሓንቲ ነገር ከም ዘየለ ኣጥቢቓ ስለ ዝተማሕጸነቶ ምስ ኣዲኡ ጸንሐ።

እንተ ኾነ ግና ንገዝኡ ናብ ገዳም ለወጦ። ርእሱ ካብታ ደጋዊት ዓለም ፈለየ፡ ኣብኡ ድማ ጽኑዕ ዝኾነ ብሕትውና ኪለማመድ ጀመረ። ኣዝያ ንእሽተይን ሕልፍ ሕልፍ ኢሉን ንሳ ውን ካብ ዝተናዕቀ ዓይነት መግቢ ንቑመተ ሥጋ ዝኣክል ጥራይ ይጥዕም፡ ኣብ መሬት ይድቅስ፡ ጸጸኒሑ ንጸሎት ይትንሥእ ነበረ። ግቡእ ናብ ዘይኮነ ዘረባ ንኸይኣቱ ኢሉ ውን ኣርምሞን ስቕታን ሓዘ። በዚ ተግባሩ ድማ ኣቐዲሞም ዚፈልጥዎን ዚቐርብዎ ዚነበሩ ኣዕሩኽቱ ጸልእዎ። እንተ ኾነ ግና ኣብ መምህሩ ሊባንዮስ ምስኡ ሓቢሮም ዚተማህሩ ኽልተ ኣዕሩኽቱ መክሲሞስን (ድሒሩ ናይ ኤሌውቅያ ጳጳስ ዝኮነ) ቴዎድሮስን (ናይ ሞፕሶስቲያ ጳጳስ ዝኾነ) ከም ናቱ ገዳማዊ ሕይወት ብምምራጽ ገዳም ኣተዉ። መጽሓፍ ቅዱስ ድማ ካብ ዲያድርስ (ድሒሩ ናይ ተርሴስ ጳጳስ ካብ ዝኾነ) ተማህሩ።

ናይ ቅዱስ ዮሐንስ ናይ ቅድስና ሕይወቱን ምሁር ምዃኑን ዚረኣዩ ሕዝብን ካህናትን፡ ንዕኡን ንባስልዮስ ዓርኩን (ዋላ እኳ ዕድሜኦም ብመሠረት ቀኖና ቤተ ክርስቲያን ንዚድለ ብውሑድ 30 ዓመት ዘይመልኡ እንተ ነበሩ) ጵጵስና ክሾምዎም ደለዩ። ንሱ ግና “ኣነ ነዚ ከቢድ ሓላፍነት ኣይበቅዕን እየ። ነዚ ከቢድ ዝኾነ ሓላፍነት ናይ ቤተ ክርስቲያን ብቑዕ ዝኾነን ዝጠቕመናን ባስልዮስ ሓወይ እዩ” ብምባል ንባስልዮስ መታን ክሸምዎ ኢሉ ንሱ ተሓብአ። ባስልዮስ ነዚ ሽመት ዝተቐበሎ ድማ ዓርኩ (ቅዱስ ዮሐንስ አፈወርቅ) ምስኡ ዝሽየም መሲልዎ እዩ። እንተ ኾነ ግና ቅዱስ ዮሐንስ አፈወርቅ ንግዚኡ ስለ ዝተሓብአ ዓርኩ ባስልዮስ ጥራይ ተሾመ።

 ካብዚ ናይ ጵጵስና ሽመት “ጳጳስ ኣይከውንን እየ” ኢሉ ብምትራፉ ባስልዮስ በይኑ ብምሻሙን ዮሐንስ ብዘይ ምሻሙን ባስልዮስ ኣዝዩ ስለ ዝኾረየሉ፡ ክህነት ብዝምልከት (በእንተ ክህነት) ብምባል ዝጸሓፎም ኣዝዮም ኣደነቕቲ ዝኾኑ ሽዱሽተ ተኸታተልቲ መጻሕፍቲ ንምጽሓፍ ምኽንያት ኮኖ። እቶም መጻሕፍቲ ኣብ መንጎ ቅዱስ ዮሐንስ አፈወርቅን ባስልዮስን ብዝግበር ቃለ መሕትት መልክዕ ዚተዳለዉ ኾይኖም፡ ናይ ክህነት ሓላፍነት፡ ጥቕምን ዕብየትን ፈተናታቱን ክብደቱን፡ ብሱል ብዝኾነ ናይ ኣዘራርባ ጥበብን ብዝረቐቐ ናይ ኣጸሓሕፋ ሜላን ዝገለጸሉ ዘደንቕ መጽሓፍ እዩ። ናይ ክህነት ቀንዲ መሣርሒ መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዝኾነ ኣነጺሩ ይገልጽ። ናይ ክህነት ሓላፍነትን ክብደትን ብምርዳእ፡ ናይ ክርስቶስ መጓሰ ብምሉእ ልቢ ብምፍቃር፡ ርእስኻ ንናይ ክርስቶስ ኣገልግሎት ምፍላይ፡ ንክህነት ወሳኒ ምዃኑ ይገልጽ። መጽሓፍ ቅዱስ ዘይፈልጥን ዘይተማህረን፡ ከምኡ ውን ናይ ክህነት ሓላፍነት ክብደቱ ዘይተረድአ ሰብ ክህነት ክቕበል ከም ዘይግባእ የተሓሳስብ።

ቀንዲ ኣርኣያን ኣብነትን ጌሩ ዝወስዶ ንቅዱስ ጳውሎስ እዩ። እዚ ቅዱስ ኣቦ ናይ ሰባኽን ናይ ካህንን ቀንዲ ዕላምኦም ንእግዚአብሔር እምበር ንሰብ ምሕጓስ ኣይኮነን ይብል። ሓደ ኣገልጋሊ “ሥርሑ ጽቡቕ ከም ዝኾነ ንዝገልጹ መግለጺታት ኪነቅፍ የብሉን፡ እንተ ኾነ ግና ዋላ ሓንቲ ዋጋ ክህቦምን ብውሽጡ ኪቕበሎምን ኣይግባእን። ድሒሮም እዞም ንጽቡቕ ሥርሑ ዚገልጹ ዚነበሩ ውዳሴታትን ጽቡቓት ቃላትን እንተ ተረፉዎ ኪጭነቕን ኣብ ዕላማኡ ኪጠራጠር ወይ ዕላማኡ ኪልውጥ ኣይግባእን። ከበሬታ ምስ ትሕትና ሥልጣን ምስ ሰባት ምስ ምርድዳእን ርእስኻ ዚተፈለየ ጌርካ ምስ ዘይምቑጻርን፡ ንዅሉ ማዕረ ምርኣይ ምስ ከይብሉኒ፡ ንናጽነት ምስ ነብስኻ ምውራድ፡ ሓደ ዕላማኡን ድሌቱን ናይ ክርስቶስ ክብርን ናይ ቤተ ክርስቲያን ድኅነትን ብልጽግናን ዝኾነ ኪኸውን ይግባእ” ይብል። እዚ መጽሓፉ ናይ ክህነት  ብዙሕ መደብን ሓላፍነትን ናይ ኣገልግሎቱ ክብደትን ብምርኣይ ናብ ክህነት ክኣትዉ ንዝደልዩ ዅላቶም ጽቡቕ ትምህርቲ ዝህብ ዝድነቕ መጽሓፍ እዩ።. . . . ይቕጽል

No comments:

Post a Comment