bieteelyas.blogspot.com ቤተ ኤልያስ

Tuesday 31 May 2016

ተኣምረ ማርያም 3ይ ክፋል


በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ፩ዱ አምላክ አሜን

3 ናይ ኣባ ቴዎድሮሰ ብእመቤትና ምፍዋስ



ኣባ ቴዎድሮስ (Tawodros) ዘእንጦንስ /አንቶኒዮ/ ክሳብ 1992 ዓ.ም ዝነበረ ኣቦ እዩ። ሥርዓተ ምንኵስና ብ1959 ተቐቢሉ። ኣብ ናይ ኣገልግሎት ዘመኑ ድኻ ዝረድእ ሕሙም ዝሓትት ዘኽታማት ዝበጽሕ ናይ ጸሎት ሕይወት ዘለዎ ናይ ሰማይ መላእኽቲ ናብራ ዝመስል ናይ መስጋና ሕይወት ዝተመልአ ኣቦ ነበረ። ኣብ ዝነበሮ ገዳም ኣሕዋት ካብ ምሕጋዝ እንተዘይኮይኑ ማንም ዓይነት ሽመት ዘይደሊ ትሑት ሰብ ነበረ። ኣብ’ዚ ሕጂ ጊዜ ናይ ግብጺ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ምምራሕ ዘለዉ ፓትርያርክ ሺኖዳ ዓርኩ (ብጻዩ) ስለ ዝነበሩ፡ ክህነት ወሲዱ ቤተ ክርስቲያን ብዝበለጸ ንኸገልግል ኣብ ዝሓትሉ ጊዜ “መነኵሴ ድሕነት ናይ ነፍሱ ክሕሉ ኣለዎ ፆሩ ብዙሕ ስለ ዝኾነ። ካህናት ብቃል ኪዳን ዘለዉ ብምዃኖም ብዝበለጸ ምስቲ ምእመን ተቐራሪቦም ክሠርሑ ይግባእ። ርግጽ እዩ ንዝሓለዎን ንዘኽበሮን ናይ ካህን ክብሪ ካብ ናይ መላእኽቲ ክብሪ ዝበለጸ እዩ ኣነ ድኹም እየ። ነዚ ክብሪ ዘይበቅዕ ተራ ሰብ ብምዃነይ ትም ኢለ ናብ ፈጣሪየይ እንተ ዝጽውዕ ይሕሸኒ” ብምባል መልሲ ይህብ ነበረ።


ይኹን እምበር በዚ ጽንዓቱ ናይ ምናኔ ሥርሑ ኣሐይሉ እኳ እንተቐጸለ ጐይታ ብክህነት ቤተ ክርስቲያን ንኸገልግል ብዝኣዘዞ መሠረት ናይ ቅስና መዓርጉ ተቐቢሉ ኣብቲ ገዳም ኣበምኔት ተሸይሙ ድንቂ ዝኾኑ ሥርሓት ሠሪሑ እዩ። ሽመቱ ንኣገልግሎት እምበር ንናይ ገዛእ ርእሱ ክብሪ መሐለዊ ከይገበረ ቤተ ክርስቲያን የገልግል ነበረ።  ኣባ ቴዎድሮስ ብፍቕሪ ናይ እመቤትና ብጽኑዕ ዝተጸምደ ምስጋናኣ ኣብዚሑ ዝነግር ብኣኣ በብጊዜኡ ምብጻሕ ዝተላዕለ ናይቲ ገዳም ማሕበር ክሳብ ዝግረሙ ገዝኡ ብርሃን ይምላእ እሞ ምስ ብዙሓት ሰባት ዘሎ ክሳብ ዝመስል ምስጋናኣ ዘወትር ከቕርብ ይስማዕ ነበረ። ሓደ ካብ መዓልታት ሓደ ናይቲ ገዳም ኣባል ዝኾነ ኣቦ “ኣባ ቴዎድሮስ ከምዚ ጌሩ ዝምስጥ ናይ ዝማሬ ድምጺ ምስ መን ኰይኑ እዩ ዘመስግኖ? እስኪ ክርእዮ! ንዓይከ ካብቲ ምስጋናኡ ከይሳተፍ ስለ ምንታይ ካብ ኣሕዋት ዝፈልየኒ? ኢሉ ናብቲ ናይ ኣባ ቴዎድሮስ በዓቲ ብለይቲ በይኑ ይኸይድ። ናብቲ በዓቲ እናቐረበ ምስ ከደ ናይቲ ምስጋና ድምጺ በዚሑ ብዙሓት ሰባት ተኣኪቦም ዘመስግኑ ዘለዉ ክሳብ ዝመስል ኣደኒቐዎ ነበረ። እቲ በዓቲ ብብርሃን ተመሊኡ ይርኢ።


ዝተዓጽወ ማዕጾ ክፍት ኣቢሉ ኣብ ውሽጢ ምስ ኣባ ቴዎድሮስ ዘመስግኑ በዓል መን ምዃኖም ክፈልጥ ኢሉ እንተ ጠመተ ብዘይካ ድምጺ ሓንቲ ነገር ክርኢ ፈጺሙ ኣይከኣለን ነበረ። እዚ ኣቦ ክቡር ኣባ ቴዎድሮስ ሕቡኣን ምስ ዝኾኑ ናይ ሰማይ ሠራዊት ምስጋና እንዳ ኣብጽሐ ምዃኑ ምስ ተረድአ “ኣብ ምድሪ ዘሎ ሱራፊ (ካህን)” ኢሉ ምስክሩ ሂቡ ቡራኬኡ ተቐቢሉ ናብ በዓቱ ተመልሰ።


ካብ ጽንዓት ናይ ምናኔኡ ዝተላዕለ ጾም ኣዝዩ የብዝሕ ስለ ዝነበረ ብሕማም ስቶመኮ (ጨጎራ) ብዙሕ ጊዜ ይሳቐ ነበረ። ሓደ መዓልቲ ሕማሙ ጸኒዕዎ ኣብ መንጎ ሞትን ሕይወትን እንከሎ፡ ብድፍኢት ናይ ኣቦታት ናብ ሕክምና ንኽውሰድ ተጌሩ መርመራ ይግበረሉ እሞ ኣልሰር ብዝተባህለ ናይ ጨጎራ ሕማም ብጽኑዕ ከም ዝተጠቕዐ፡ ሕማሙ ኣብ ናይ መወዳእታ ደረጃ ምብጽሑ በዚ ምኽንያት ኦፕራስዮንን ሰፊሕ ዕረፍትን ከም ዘድልዮ ብናይ ኮፕት ኦርቶዶክስ ቤተ ክርስቲያን ሆስፒታል ሓካይም ተነግሮ።


ኣብ ሕክምና ደቂሱ ኦፕራስዮን ዝገብረሉ ጊዜ ብትዕግሥቲ ይጽበ ነበረ። ካብ ዕለታት ሓንቲ መዓልቲ ኦፕራስዮን ንኽገብር ሓካይም ቅድመ መርመራ እንተ ገበርሉ፡ ናይ ኣባ ቴዎድሮስ ናይ ጥዕናኡ ኵነታት ምንም እንከን ዘይርከቦ ይትረፍዶ ኦፕራስዮን ሓንቲ ከኒና እኳ ከምዘይድልዮ ዘስተውዓሉ ሓካይም ናይ እግዚአብሔር ኢድ ምስ’ዚ በዓል ግርማን ጻድቕን ኣቦ ምንባሩ ኣይተጠራጠሩን። ንሳቶም “ኣቦና ንምዃኑ እዚ ከመይ ጌሩ ክኸውን ከኣለ?” ብምባል ሓተትዎ “ለይቲ ናይ ሰርክ ሊጦን ኣብጺሐ ናይ እመቤትናን ናይ ቅዱስ ጊዮርጊስን ናይ ምስጋና ጸሎት ብምቕራብ እዚ ሕማም ካባይ ንኽእለን ብዘይ ድኻም ዝተጸዋዕኩሉ ናይ ቤተ ክርስቲያን ኣገልግሎት ከገልግል ምእንቲ ክኽእል ሓይሊ ንኽህበኒ ንጐይታይ ብናይ ኣዲኡ ኣማላድነት ሓተትኩዎ፡ ብዘገርም ኵነታት እመቤተይ ምስ ቅዱስ ጊዮርጊስ መጺኣ በጽሓትኒ ወደየ ኣጆኻ ጸሎትካ ተቐቢልልካ እዩ ድሕሪ ሕጂ ሕማምካ ካባኻ ክእለ እዩ ኢላ ዳህሰሰትኒ ብቕጽበት ድማ ፍጹም ጥዕናይ ተመልሰ። ኣነ ድማ ኣምላኸይ ኣመስጊነ ንእመቤተይ ኣኽቢረ ንሰማዕት ቅዱስ ጊዮርጊስ ዘሚረ ሰላም ዝኾነ ለይቲ ብሕብረት ኣሕሊፍና ። እግዚአብሔር ብቕዱሳኑ ድንቂ እዩ ከም ዝበለ ዳዊት እዚ ድንቂ ነገር ተገብረለይ” ክብል ምስክርነቱ ሃበ።


ብእመቤትና ብዝተገብረ ተኣምራት ሓካይምን ብጸሎቱ ዝዝከሩ ምእመናንን ብምግራም ተመልኪቶም ንእግዚአብሔር ኣመስገኑ። ናይ ድንግል ኣማላድነት በዚሑ ንምድሪ ንኽመልኣ ድማ ጸሎት ኣቕረቡ። ናይ ግብጺ ቤተ ክርስቲያን ውን ንኣባ ቴዎድሮስ ዝተገብረ ተኣምራት ሓቅነቱ መርሚራ ድሕሪ ምርግጋጽ ንምዕመናን ከም ዝግለጽን ከም ዝምዝገብን ገበረት።
ክቡር ኣባ ቴዎድሮስ ብ1992 ክብርቲ ነፍሱ ክትፍለ ኣብ ዝበጽሓሉ ሰዓት ዝደቀሰሉ ክፍሊ ብብርሃን ተመሊኡ ነበረ። ኣብ ዙርያኡ ከቢቦም ዝነበሩ ኣቦታት ውን እቲ ክፍሊ ብብርሃን ምምልኡን ብፍሉይ መኣዛ ምዕጃቡ ኣደኒቕዎም ይጽልዩን ተኣምሩ የድንቑን ነበሩ። ድሕሪ ዝተወሰኑ ሰዓታት ኣባ ቴዎድሮስ ኣፉ ከፊቱ ሠናይ ርግቢት መጺኣ ኣላ ተቐበልዋ!  ኦ ሠናይ ርግቢት ናባይ ንዒ ካብ ኢድ ጸላእተይ ውን ነፍሰይ ሓልዊ! ንዒ እንዳበለ ደጋጊሙ ጸዊዑን ኣመስጊኑን ነፍሱ ብኽብሪ ዓረፈት። ልመናኣን ክብራን ናይ ወዳ ፈታዊኣ ምሕረትን ኣብ ልዕሊ ኵልና ይሕደር ኣሜን።


ጸሎት


ኦ እመቤተይ ነዚ ተኣምርኪ ንዘንበብኩን ንዝሰማዕኩን ንዓይ ንባርያኽን ፈታዊኽን ኣብ ካይሮ ንዝነብር ንክቡር ኣባ ቴዎድሮስ ዝገበርክሉ ድንቂ ነገር ንዓይ ንባርያኺ ግበርለይ። ናትኪ ንጽሕና ስለ ርኽሰተይ ናትኪ ምእዛዝ ንዓመጻነተይ ናትኪ ክብሪ ንምውራደይ መተካእታ ኮይኑ ካብቲ ዘጨንቐኒ ዘሎ መከራይን ስቓይን ሽግረይን ቀልጢፍኪ ኣድሕንኒ።

ሓዘነይ ናብ ሓጎስ ስቓየይ ናብ ዕረፍቲ ምግፈዐይ ናብ ነጻነት ለውጥለይ ንዘለኣለም ኣሜን

No comments:

Post a Comment