bieteelyas.blogspot.com ቤተ ኤልያስ

Friday 27 May 2016

ራእይ ዮሓንስን ናይ መወዳእታ ዓለምን መበል 14 ክፋል

7 ኣብ ሰማይ ከኣ ውግእ ኰነ፡ ሚኪኤልን መላእኽቱን ምስቲ ገበል ተዋግኡ። እቲ ገበልን መላእኽቱን ድማ ተዋግእዎም።

8 ኣይሰዐርዎምን ከኣ፡ ድሕርዚ ስፍራኦም ኣብ ሰማይ ኣይተረኽበን። 9 እቲ ንብዘላ ዓለም ዜስሕታ ዘሎ ድያብሎስን ሰይጣንን ዚብሀሉ ዓብዪ ገበል፡ እቲ ናይ ጥንቲ ተመን ተደርበየ፡ ናብ ምድሪ ተደርበየ፡ መላእኽቱውን ምስኡ ተደርበዩ።

ዓለም ክፍጠር ከላ ንሰይጣን ዝተዋግኦ ቅዱስ ሚካኤል እዩ። ኣብ መወዳእታ ዓለም ውን ንሰይጣን ዝዋግኦ ንሱ እዩ (ዳን 12፡1)። እዚ ዓለም ክሓልፍ ከሎ ውን ነቶም ብናቱ ረድኤት ንዲያብሎስ ስዒሮም ዝተዓወቱ  ተንሥእ መዋቲ ኢሉ ዘተንሥኦም ውን ንሱ ቅዱስ ሚካኤል ሊቀ መላእክት እዩ።(1ተሰ 4፡16)

ንመጀመርያ ጊዜ ምስ ዲያብሎስ ዝተዋግኡ ቅዱሳን መላእክት ኢዮም። እግዚአብሔ ንመላእኽቲ ፈጢሩ ተሰዊርዎም ነበረ። ልቦና ዝተዓደሎም ኣእምሮ ዝተሳእለሎም ስለ ዝኾኑ ንፈጣሪ ተመራሚሮም ባዕሎም ንኽበጽሕዎ ኢሉ እዩ። ኣብ መንጎ መላእኽቲ ድማ መን ፈጠረና ዝብል ሕቶ ተላዕለ። ኣብ’ዚ ጊዜ እዚ ናይ መላእኽቲ ሓለቓ ኮይኑ ዝተሾመ ዲያብሎስ ኣነ ፈጠርኩኹም ኢሉ ዓመጸ። ዝተወሰኑ መላእኽቲ ድማ ሰዓብዎ። ቅዱስ ሚካኤልን ካልኦት መላእኽትን ግና ንስኻ ፍጡር እምበር ፈጣሪ ኣይኮንካን ኢሎም ተቓወምዎ። ሰማያዊ ውግእ ኣብ መንጎ ምእማንን ምኽሓድን፡ ኣብ መንጎ ምውልዋልን ምጽናዕን ኣብ መንጎ ዓመጽን ሕጊ ምኽባርን ዝተኻየደ ውግእ እዩ ኔሩ። ኣብ መወዳእታ ድማ ዲያብሎስ ተሳዕረ ካብ ሰማያዊ ስፍራኡ ድማ ተዋረድ።

 ስለ’ዚ መላእኽቲ ንዲያብሎስ ብምውጋእ ቀዳሞት እዮም። ዲያብሎስ ናይ ልቴና ጸላኢ ኢዩ። ንሳቶም ኣቐዲሞም ስለ ዝሰዓሩ ንኩሎም እቶም ንምስዓር ዝጋደሉ ይራድእዎም እዮም። በዚ ድማ እዩ ቅዱስ ጳውሎስ “ኵላቶምዶ ነገልግሎት እቶም ምድሓን ኪወርሱ ዘለዎም ዚለኣኹ መናፍስቲ ኣገልግሎት ኣይኰኑን” ዝበለ። (ዕብ 1:14)

 እቲ ኣብ ዓለመ መላእኽቲ ብመጀመርያ ንቤተክርስቲያን ዝተዋግኣ ዲያብሎስ፡ ኣብ ውሽጢ ዝኾነ ይኹን ህሞት ንቤተ ክርስቲያን ንምውጋእ ኣየቋርጽን እዩ። መላእኽቲ ምስ ሰዓርዎ ናብ ደቂ ሰባት ቀየረ። ሕጂ ውን ምውጋኡ ኣየቋረጸን። ኣብ ዘመነ ብሉይ ኪዳን ንኣቦታትና ተዋጊኡዎም። ሎሚ ድማ ኣብ ዘመነ ሓድሽ ኪዳን ንክርስቲያን ይዋጋእ ኣሎ።

 ሀ. ዓቢ ገበል “ገበል ንዓብን ንእሽተይን ከም ዝውሕጥ፡ ዲያብሎስ ውን ጽኑዓትን ሓደስቲ ኣመንትን ዘውድቕ ጸላኢ ኢዩ” ማቴ 24፡24

. ናይ ቀደም ተመን “ንሔዋን ዘስሓተ ሰብ ከታልል ውን ዝነብር ንሱ እዩ ዘፍ 3፡5

ሐ. ዲያብሎስ ብቋንቋ ግሪኽ “ኣሰናኻሊ” ማለት እዩ። ንክርስቲያን ካብ መንገዶም ኣሰናኺሉ ስለ ዘውጸኦም።

. ሰይጣን “ከሳሲ ኣሕዋት” ማለት እዩ። ኵሉ ጊዜ ንቤተ ክርስቲያንን ንቅዱሳን ንደቃን ስለ ዝኸስስ (ኢዮ 1፡)

. ኣስሓቲ “ንኹሉ ዓለም ዘስሕት” ሥርሑ ኣብ ምትላልን ኣብ ምግጋይነ ዝተመሥረተ ስለ ዝኾነ እዩ።

10 ኣብ ሰማይ ከኣ ዓው ብዝበለ ድምጺ፡ እቲ ለይትን መዓልትን ኣብ ቅድሚ ኣምላኽናን ዚኽሶም ዝነበረ ኸሳስ ኣሕዋትና ተደርብዩ እዩ እሞ፡ ሕጂ ምድሓንን ስልጣንን መንግስትን ናይ ኣምላኽና ዀይኑ፡ ምልኪ ኸኣ ናይቲ ቕቡእ እዩ፡ ኪብል ከሎ ሰማዕኩ።

ቅዱሳን መላእኽቲ ሰይጣን ምስ ወደቐ “እቲ ከሳሲ ኣሕዋትና ተደርበዩ” ብምባል እዮም ተዛሪቦም። ኣሕዋትና ዝበለዎ ንወዲ ሰብ እዮም። ሕውነትና ድማ ብሃይማኖት እዩ። ድቂ ሓንቲ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ኢና። ዲያብሎስ ነዞም ኣብ ምድሪ ንነብር ዝዋግኣሉ ዘመኑ ሓጺር እዩ። ብድሕሪ እዚ ዘተርፍ ኣዝዩ ሓጺር እዩ። እቲ መዓልቲ እናቐረበ ኣብ ዝመጻሉ እዋን ድማ እቲ ፈተና እናወሰኸ እዩ ዝኸይድ።


11 ሳላ ደም እቲ ገንሸልን ሳላ እቲ ቓል ምስክሮምን ድማ ሰዐርዎ፡ ንህይወቶምውን ክሳዕ ሞት ኣየፍቀርዋን። ስለዚ፡ ኣቱም ሰማያት፡ ኣባታቶም እትነብሩውን፡ ተሐጐሱ። ኣቱም ምድርን ባሕርን ግና፡ ድያብሎስ ቅሩብ ዘመን ከም ዘለዎ ፈሊጡ፡ ብብርቱዕ ቍጥዓ ወሪዱኩም አሎ እሞ፡ ወይለኹም።


 ዲያብሎስ ብቕዱሳን መላእኽቲ ምስ ተሳዕረ ገጹ ናብ ደቂ ሰባት እዩ መሊሱ። ንኣዳምን ሰበይቱን ኣጋግዩ ናብ ምድሪ ከም ዝወርዱ ገበረ። ካብኡ ጀሚሩ ንኹሎም ቅዱሳን ክዋግኦም ጀሚሩ። እቲ ትንቢት ተፈጺሙ ጐይታ ንኸይውለድ ንቤተ ክርስቲያን የሳድድ  ኔሩ።  ካብ ወገን ቅዱሳን ክውለድ እዩ ኢሉ ስለ ዝሓሰበ ንቅዱሳን ኣሳዲድዎም። ብፈርኦን ነቡከደነጾር  ብኣርጤክስስ ጌሩ ከወድኦም ፈቲኑ። ብበትሪ ሓጺን ዝቕጥቅጦ ተባዕታይ ወዲ ምስ ተወለደ ድማ ንኣዲኡ ቅድስት ንድንግል ማርያም መጀመርያ ኣብ ኣይሁድ ቀጺሉ ኣብ ሄሮድስ ቀጺሉ ድማ ኣብ መናፍቓንን እናሓደረ ኣሳደዳ። ርእሱ ርእሱ ዝቕጥቅጥ ካብኣ ስለ ዝተረኽበ ድማ ንቤተ ክርስቲያን ክሳብ መወዳእታ ክዋግኣ እዩ።


13 እቲ ገበል ከኣ ናብ ምድሪ ኸም እተደርበየ፡ ምስ ረኣየ፡ ነታ ተባዕታይ ሕጻን ዝወለደት ሰበይቲ ሰጐጓ።14 ነታ ሰበይቲ ኸኣ፡ ካብ ገጽ እቲ ተመን ርሒቓስ ዘመንን ዘመናትን ፈረቓ ዘመንን ክትምገብ፡ ናብ በረኻ ናብቲ ስፍራኣ ምእንቲ ኽትነፍር፡ ክልተ ኽንፊ ናይቲ ዓብዪ ንስሪ ተዋህባ።



ክልተ ክንፊ

እዛ ካብ ላዕሊ ጀሚርና ክንርእያ ዝጸናሕና ሰበይቲ ድንግል ማርያም እያ። እቲ ገበል ዝተባህለ ድማ ንጊዚኡ ሄሮድስ እዩ። እቲ ገበል ነታ ኪትወልድ ትጽዓር ዝነበረት ሰበይቲ ነቲ ውሉዳ መታን ኪምንጥል ኣብ ቅድሚኣ ቆመ፡ ማለት ድማ ድንግል ማርያም ምስ ሓረሰት ሄሮድስ ብፍርሒ ተሸቢሩ ንክርስቶስ ንምቕታል 144000 ህጻናት ኣቕተለ። ብድሕሪ እዚ እታ ሰበይቲ ን1260 ምዓልቲ ዝኣክል ናብ በረኻ ማለት ናብ ግብጺ ተሰደት።(ማቴ 2:13) ን3 ዓመትን 6 ወርሕን ዝኣክል ተሰደት ማለት እዩ። ብድሕሪኡ እቲ ገበል እንታይ ከም ዘገበረ ኣብ ዝቕጽል ታሪኽ ኪንርእዮ ኢና።


 ክልተ ክንፊ ንድንግል ማርያም ዝተዋህባ “ንጽሐ ሥጋን ንጽሐ ነፍስን” “ድንግልና ሥጋን ድንግልና ሓሳብን” እዮም።


 ቅዱስ ኤጲፋንዮስ ከም’ዚ ይብል “ናይ ቅዱስ ዮሐንስ ወንጌል ከም ዝነግረና፡ ጎይታና ኣብ ልዕሊ መስቀል ኮይኑ ነቲ ዘፍቅሮ ወደ መዝሙር ተመልከቶ። ከም’ዚ ድማ ብሎ “እነሀት ኣዴኻ” ነዲኡ ድማ “እነሆ ወድኺ” በላ (ዮሐ 19:26) ድንግል ማርያም ደቂ እንተ ዘነብርዋ፡ ሰብኣያ ድማ ብሕይወት እንተዝነብርን ስለ ምንታይ ንዮሐንስ ተዋሂባ? ዮሐንስ ከ ስለምንታይ ንዓኣ ተዋሂቡ? ስለ ምንታይ ንጴጥሮስ ንእንድርያስ ንማቴዎስ ወይ ንበርተሎሜዎስ ዘይሃቦም? እቲ መልሲ ግሉጽ እዩ ንዮሐንስ ዝሃባ ዮሐንስ ድንግል ስለ ዝኾነ እዩ። ንዕኡ “እነሀት ኣዴኻ” ኢልዎ። ምንም እኳ ብስጋ ንዮሐንስ ኣዲኡ እንተዘይኮነት፡ እንተኾነ ግን ናይ ደናግል ኣደ ብምዃና ኣዲኡ እያ። ሕይወት ካብኣ እዩ ተጀሚሩ። ንሳ ብሓቂ ናይ ክርስቶስ ኣደ እንተዘይትኸውን ኔራ፡ ብምክንያት ስጋዌ ኣዲኡ ንዝኾነት ንዮሐንስ ሓደራ ኣይምሃቦን ኔሩ። ወንጌል “ካብ’ታ መዓልቲ እቲኣ ጀሚሩ ናብ ገዛኡ ወሰዳ” (ዮሐ 19:27) ይብል።ንሳ ሰብኣይ ደቂ ወይስ ገዛ እንተዝነብራ ኔሩ፡ ናብ ገዝኣ ድኣ ምተመለሰት እምበር ናብ ናይ ካልእ ሰብ ገዛ ኣይምኸደትን። ሓቂ እዚ እንተኾነ ውን ምንም እኳ ዮሐንስ ናብ ቤቱ እንተ ወሰዳ ምስኡ ግን ኣይነበረትን። ማንም ዝተጋገኹ ጌሩ ከይሓስብ፡ ኣብ ቅዱሳት መጻሕፍቲ ይድለ እሞ’ ብዛዕባ ሞት ናይ ድንግል ማርያም ዝዛረብ ነገር የምጽእ። ብዛዕባ ሞታ ይኹን ብዛዕባ ምቕባራ።

 ቅዱስ ዮሐንስ ኣብ ኤስያ ይጎዓዝ ከም ዝነበረ እኳ ርጉጽ እንተነበረ፡ ኣብ ማንም ጽሑፉ ግን ንድንግል ማርያም ምስኡ ሒዙ ከም ዘኸደ ኣይነገረናን። ቅዱሳት መጻሕፍቲ ብዛዕባ’ዚ ስቕታ እዮም መሪጾም። ምእንቲ እዚ ኣደናቒ ነገርን ምእመናን ንዘይምድንጋር ኪብ። ኣነ ውን ምንም እኳ ኪዛረብ ደልየ እንተነበርኩ ትም ኢለ ኣለኹ።


 ይኹን እምበር ብዛዕባ ሞታ ዝምልከት ዝተረኽበ ነገር እኳ እንተዘይሃለወ፡ ኣነ ግን ሓደ ነገር ብዛዕባ ቅድስት ድንግል ማርያም ይረክብ ይኸውን እየ ኢለ ተስፋ ይገብር። ስምኦን ኣረጋዊ ኣብ ነፍስኺ ሰይፊ ኪኣቱ እዩ ኢልዋ ኔሩ።(ሉቃ 2:35) ኣብ ራእይ ዮሐንስ ውን “እቲ ገበል ከኣ ናብ ምድሪ ኸም እተደርበየ፡ ምስ ረኣየ፡ ነታ ተባዕታይ ሕጻን ዝወለደት ሰበይቲ ሰጐጓ።14 ነታ ሰበይቲ ኸኣ፡ ካብ ገጽ እቲ ተመን ርሒቓስ ዘመንን ዘመናትን ፈረቓ ዘመንን ክትምገብ፡ ናብ በረኻ ናብቲ ስፍራኣ ምእንቲ ኽትነፍር፡ ክልተ ኽንፊ ናይቲ ዓብዪ ንስሪ ተዋህባ”
ይብል።

 ምናልባት እዚ ኣብኣ ተፈጺሙ ይኸውን። ርግጸኛ ኮይነ ኪዛረብ ኣይክእልን እየ።ኪሳብ ሕጂ ሞት ከይጠዓመት ኣላ ማለተይ ኣይኮንኩን። እንተኾነ ግን ብሞት ከም ዝተወስደት ዝዛረብ ክሳብ ሕጂ ኣይረኸብኩን። ብዛዕባ እዛ ፍልይቲ ዝኾነት ልብሰ ክህነት ብዝምልከት መጻሕፍቲ እቲ ጉዳይ ኣብ ጠልጠል እዮም ገዲፎሞ። ስለ’ዚ ማንም ብዛዕባኣ ብዝምልከት፡ ብዛዕባ ስጋዊ ደማዊ ፍቓድ ምዝራብ ኣይክእልን እዩ” ይብል።

ቪክቶርያነስ  ድማ “ክልተ ክንፊ ኣብ ዘመን ሓሳዊ መሲሕ ንቤተ ክርስቲያን ዝራድእዋ ኤልያስን ሄኖክን እዮም” ይብል።(ራእ 11:1-3)


ኣቡሊድስ ዘሮም “ክልተ ኣኽናፍ ንቤተ ክርስቲያን ዝድግፉ ኣእዳው ናይ እግዚአብሔር እዮም” ይብል። “ናይ ጽድቂ ፀሓይ ክትወፀልኩም እያ ፈውሲ ውን ኣብ ኣኽናፋ እዮም” ከም ዝብል ነቢይ ሚልክያስ (ሚል 4፡5)



ሓደ ሓደ መተርጉማን “ድማ ክልተ ኣኽናፍ እምነትን ምግባርን እዮም” ይብሉ። ብርግጽ ውን ቤተ ክርስቲያን ካብ ሓሳዊ መሲሕ እተምልጠሎም ኣኽናፍ እምነትን ግብርን እዮም። ብሓደ ክንፊ ዝበርር ዑፍ ከም ዘየለ፡ ከምኡ ድማ ግብሪ ዘይብሉ እምነትን እምነት ዘይብሉ ግብርን ክልቲኦም ምውታት እዮም።(ያዕ 2:14-20)

No comments:

Post a Comment