bieteelyas.blogspot.com ቤተ ኤልያስ

Sunday 29 May 2016

ተአምረ ማርያም 1ይ ክፋል



በስመአብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ፩ዱ አምላክ ኣሜን

ብእመቤትና ቅድስት ድንግል ማርያም ዝተፈጸሙ ናይ ዘመንና ዓበይቲ ተኣምራት 


እዛ መጽሓፍ እዚኣ ብናይ ኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ግብጺ ፓትርያርክ ዚነበሩ ብጹእ ወቅዱስ ኣቡነ ሺኖዳ 3ይ  (MODERN MIRACLES OF S.T MARY) ብዝብል ኣርእስቲ ዚተጻሕፈት ኰይና ብቀሲስ ሳሙኤል እሸቱ ናብ ቋንቋ ኣምሓርኛ ተተርጕማ ምስ ረኸብኩዋ፡ ኣነ ድማ በዛ ድኽምቲ ዓቕመይ ናብ ቋንቋ ትግርኛ ኪትርጉማ ፈቲነ ኣለኹ። 


እዚ ዘለናዮ ዕለት ማለት ካብ 21-25 ግንቦት፡ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ኣብ ደብረ ምጥማቅ ዝበሃል ናይ ግብጺ ቦታ ብዙሓት ኣመንትንዘይኣመንትን እናረኣይዋ ትግለጸሎም ዝነበረት ዝዝከረኩ ዕለት እዩ። ኪትግለጸሎም ከላ ድማ ኣእላፋት ቅዱሳን መላእኽትን ሰማዕታትን ኣኸቲላ ብምምጻእ ብግልጺ ትረኣዮም ነበረት። ንሕጂ ኣብ'ዚ ቀረባ ዘመናት ኣብ ግብጺ ካብ ዝገበረቶም ብዙሓት ተኣምራት ነዘን 5 ምዓልቲ ኣከታቲለ 5 ተኣምራት ከቕርበልኩም ኪፍትን እየ። 

ዕላማ ናይ'ዚ

1.  እመቤትና ኣማላዲትን ገባሪት ተኣምራትን ናይቶም ዝቐደሙ ሰባት ጥራይ ዘይኮነት፡ ኣብ ትሕቲ ናይ ኣማላድነት ጽላል ንዘለና ኵልና ዝፈጸመቶን እትፍጽሞ ዘላን ድንቂ ነገር ንምግላጽ እዩ።

2.  ብስምኪ መጽሓፍ ዝደረሰ ንድርሳንኪ ዘንበበን ዝሰምዐን ዝተርጐመን ክምሕረልኪ ኢየ ዝብል ንድንግል ማርያም ካብ ጐይታ ዝተዋህባ ቃል ኪዳን ኣሎ። ስለ’ዚ ኵልና በዚ ኪዳን እዚ እንእመን ደቃ ገሌና ብምትርጓም ገሌና ብምንባብ ገሌና ድማ ብምስማዕ ናይ’ዚ ኪዳን እዚ ተኻፈልቲ ምእንቲ ክንከውን።


 1.  ናይ ካይሮ መሃንዲስ ምፍዋስ



ኣብታ ዓበይ ናይ ካይሮ ከተማ ንዝህነጹ  700 ናይ መንበሪ ኣፓርታማ ገዛውቲ ብኢንጂነርነት ዝሠርሕ ዝነበረ ኦርቶዶክሳዊ ሰብ ናይ ካይሮ ሃሩር ተጻዊሩ ሥርሑ ብጥንቃቐን ብትግሃት ይሠርሕ ነበረ። ዝተዋህቦ ሓላፍነት ዓቢ ስለ ዝነበረ ለይትን መዓልትን ሰልቺዩኒ ከይበለ ሥርሑ ይሠርሓሉ ኣብ ዝነበረ ኩነታት ሓደ ካብ መዓልታት ዘይተሓሰበ ዘሰንብድ ነገር ተኸስተ። እዚ ድማ ትጉህን ሓያልን ጥዑይን ዝነበረ መሃንዲስ ነብሱ ስሒቱ ብሃንደበት ናብ መሬት ወደቐ። በዚ ዝተሰናበዱ ናይቲ ካምፓኒ ሠራሕተኛታት ናይቲ ትጉህ ኢንጂነር ነፍሲ ንምድሓን ኣምቡላንስ ጸዊዖም ናብ ሆስፒታል ብምውሳድ ናይ ሕክምና ረድኤት ከም ዝረክብ ገበሩ። ዝደቀሶ አይ ሲ ዩ (ICU) ሆስፒታል ብዝገበረሉ ምርመራ እቲ ኢንጂነር ብቱዩመርን ብነርቭን ከምኡ ውን ብድኻም ልቢ ብከቢድ ከም ዝተጠቕዐ ተፈልጠ።


እዚ ሰብ ድሕሪ ዝተወሰኑ መዓልታት ነብሱ እናፈለጠ ምስ መጸ ብምኽንያት ሕማም ሆስፒታል ምድቃሱ ይፈልጥ’ሞ ብምሕዛን “እመቤተይ እዚ ንኽኸውን ፈቒድኪ” እንዳበለ መዓልቲ መዓልቲ ንብዓቱ ከፍስስ ጀመረ። ሓደ መዓልቲ ብምሸት እግሩ ንምፍታሕ ካብ ድቃሱ ይትንሥእ እሞ፡ ኣብ ብራንዳ ናይቲ ደቂስሉ ዘሎ ክፍሊ ናይ ሆስፒታል ነቲ ብኣጋ ምሸት ዝነፍስ ንፋስ ንምርካብ እንዳ ተንቀሳቐሰ እንከሎ፡ ሓደ ናይ ብርሃን ዓንዲ  ነቲ ጸልማት ለይቲ እንዳሰንጠቐ መጺኡ ኣብ ጎኑ ምስ በጽሐ ናብ ብዙሕ ናይ ብርሃን ጩራ ይልወጥ’ሞ  ሓደ ብኣፍ ልቡ ክኣቱ ይስምዖ። ብኡ ንብኡ እቲ ብርሃን ዝሓዘ ዓንዲ ደመና ሰማይ ሰንጢቑ ይምለስ። እዚ ክስተት ዝረኣዩ አለይቱን  ሕሙም ኢንጂነር ነቲ ዝተኸስተ ነገር ንምእማን ይሽገሩ። እቲ ዝመጸ ዓንዲ ደመና ምስ’ቲ ኣብ ዘይቱን ማርያም ዝተገልጸ ናይ እመቤትና ማርያም ዓንዲ ብርሃን ተመሳሲልዎም ነበረ። እቲ ኢንጂነር ግን ካብዚ መዓልቲ ጀሚሩ ብዘይእመን ኩነታት ተስፋ ብምስናቕ ድሕነቱ ቀረባ ከም ዝኸውን ክኣምን ጀመረ። ነቶም ዝከናኸንዎ ዝነበሩ እቲ ምግላጽ ካብ እመቤትናን ካብ ናይ ሰማይ ኣምላኽን ምዃኑ ብእምነት ይምስክር ነበረ።


ኣብ ዝተረፉ መዓልታት ነቲ ኣጥቂዕዎ ዘሎ ሕማም ግቡእ ሕክምና ንኽረክብ ናይ ሓካይም ጉባኤ ብዝሃቦ ርኢቶ መሠረት ኣሜሪካ ኣብ ዝርከብ ክሊቬላንድ (cleveland) ሆስፒታል ኦፕራስዮን ክገብር ከም ዝግብኦ  ተኣሚንሉ ናብኡ ብምኻድ ሕክምናኡ ኣብ ምክትታል እንከሎ ኣብ ጐኒ እቲ ካብ ካይሮ ሒዝዎ ዝመጽአ ናይ እመቤትና ስእሊ  ዘወትር ምሸት “እመቤተይ ኣዝዮም ጽኑዓት ብዝኾኑ ሕማማት ተጠቒዐ ኣለኹ ኣማላድነትኪ እንተዘይረዲእኒ ኣብ ናይ ንእስነት ዕድመይ ሞት ክድርብየኒ ተቐሪቡ እዩ ዘሎ። ናይ ሰብ ጥበብ ውሱን እዩ። ናይ ወድኺ ምሕረት ምድሓኑን ፍቕሩን ናትኪ ኣማላድነትን ግን ደረት ዘይብሉ እዩ’ሞ ረድኤትኪ የድልየኒ ኣሎ” እንዳበለ ብዝሓመመ ጕልበቱ እንዳተንበርከኸ ይልምንን ይነብዕን ነበረ። ሓደ ምሸት ነዚ ጸሎቱ እንዳኣቕረበ  እንከሎ ዝደቀሰሉ ክፍሊ ብዓቢ ብርሃን ተመሊኡ “ወደየ ኣጆኻ ኣነ ምሳኻ እየ” ዝብል ድምጺ ሰምዐ። ቅንዕ ኢሉ እንተተመልከተ ኣብ’ቲ ቅዱስ ስእሊ እታ ብዘጸናንዕን ደስ ብዘብልን ቃል ዝተዛረበቶ እታ  ዝፈልጣ እመቤትና ነበረት። ኦ ኣደይ በረኸትኪ ይሕደረኒ እንዳበለ ኢዱ ኣብ ዝዘርግሓሉ ጊዜ ድንግል ባረኸቶ። ብኡንብኡ እቲ ዕረፍትን ሰላምን ከሊእዎ ዘሳቕዮ ዝነበረ ሕማም ብዘገርም ኩነታት ብምሕዋይ ፍጹም ጥዑይ ኮነ። እመቤትና ውን ኣብዚ ናይ ብርሃን ዓንዲ ኮይና ብናይ እምነቱ ጽንዓትን ብዘቕረቦ ልመናን ከም ዝተፈወሰ መስኪራትሉ ባሪኻቶ ተፈልየት። ክእመን ብዘይክእል መንገዲ ካብ ዓይኒ ናይቲ መሓንዲስ ናይ ሓጎስ ንብዓት ብዘይምቊራጽ ይፈስስ ነበረ። ዝደቀሰሉ ክፍሊ ድማ ብፍሉይ መኣዛ ተመሊኡ ነበረ።


ንጽባሒቱ ብብዙሕ ሕማማት ተጠቒዑ ዝነበረ ኢንጂነር ንምድሓንን ኦፕራስዮን ንምጅማርን ዶክተራት ናይ ሕክምና መሣርሒኦም ኣዳልዮም ቅድመ ኦፕራስዮን ምርመራ እንተገበሩ፡ ኣብ ታሪኽ ሕክምና ኣጋጢምዎም ዘይፈልጥ ሓደ ኣገራሚ ክስተት ረኸቡ። ኢንጂነር ካብቶም ተጠቒዕዎም ዝነበረ ሕማማት ፍጹም ጥዑይ ኮይኑ ነበረ። ሓንቲ ናይ ሕማም ምልክት ኣይረኣዮን ነበረ። ሓካይም ኣብ ግለ ሰብ ናይ ሕክምና ውልቃዊ ሕይወት ታሪኽ ዝመዝገብዎን ናይቲ ሰብ ፈጺሙ ምጥዓዩ ፈጺሙ ዘይራኸብን ዘይእመንን ኮኖም። “ብኸመይ ምኽንያትን ብኸመይ ኩነታትን ኢኻ ከምዚ ዓይነት ፍጹም ጥዕና ክትረክብ ዝኸኣልካ?” በልዎ። ኢንጂነር ውን እመቤትና ዝገበረትሉ ተኣምር ኣብ ዝተረኸሎም ጊዜ እቶም ሓካይም “ሓሚሙ ዝመጽአ እንተኾነ ግን ብተኣምራት ብዘይ ሕክምና ዝተፈወሰ” ብዝብል መረጋገጺ ሂቦም ናብ ሃገሩ ብሰላም ተመልሰ። እዚ ሰብ እዚ ክሳብ ሎሚ ኣብ ከተማ ካይሮ ብጥዕናን በረኸትን ሥርሑ እንዳሠርሐ ይርከብ። ናይ ግብጺ ቤተ ክርስቲያን ውን ናይ ተኣምሩ ሓቅነት ብምርግጋጽ ንሕዝባ ብመራኸቢ ብዙሃን ገሊጻ ኣላ። ልመናኣ ክብራ ኣማላድነታ ናይ ወዳ ፈታዊኣ ምሕረት ኣብኩልና ይኹን ኣሜን።

ጸሎት


ኦ እመቤተይ ነዚ ተኣምርኪ ንዘንበብኩን ንዝሰማዕኩን ንዓይ ንባርያኽን ፈታዊኽን ኣብ ካይሮ ንዝነብር መሓንዲስ ዝገበርክሉ ድንቂ ነገር ንዓይ ንባርያኺ ግበርለይ። ናትኪ ንጽሕና  ንርኽሰተይ ናትኪ ምእዛዝ ንዓመጻነተይ ናትኪ ክብሪ ንምውራደይ መተካእታ ኮይኑ ካብቲ ዘጨንቐኒ ዘሎ መከራይን ስቓየይን ሽግረይን ቀልጢፍኪ ኣድሕንኒ።



ሓዘነይ ናብ ሓጎስ ስቓየይ ናብ ዕረፍቲ ምግፈዐይ ናብ ነጻነት ለውጥለይ ንዘለኣለም ኣሜን

No comments:

Post a Comment