bieteelyas.blogspot.com ቤተ ኤልያስ

Monday 30 May 2016

ተኣምረ ማርያም 2ይ ክፋል

በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ፩ዱ አምላክ አሜን


ንኣባ ኣቢብ ካብ እመቤትና ዝተዋህበቶ ወንበር



ክቡር ካህን ኣቦ ኣባ ኣቢብ እመቤትና ኣዝዩ ዝፈቱን ምስኣ ጥቡቕ ፍቕሪ ዝነበሮን መናኒ ካህን እዩ ኔሩ። ብዛዕባ እመቤትና ክምስክር እንከሎ ውን “ንሳ ካብ ኣደ ንላዕሊ ንዓይ ኣደ እያ” ይብል ነበረ። እዚ ቅዱስ ኣቦ እዚ ብናይ እመቤትና ኣማላድነት ከም ጳውሎስ ናይ መላእኽቲ ከተማ ከም ቅዱስ ዮሐንስ ድማ ናይ ሰማያት ምሥጢር ዝረኣየ ነበረ።


ኣባ ኣቢብ ወዲ 17 ዓመት መንእሰይ እንከሎ እዩ ብናይ እመቤትና ምርጫን ጻውዒትን ምእንቲ ክርስቶስ ካብ ዓለም ዝተፈልየ። ኣብ ዘመን ተጋድሎኡ ውን እመቤትና ኣልዒሉ ዘይጸግብ፡ ኣማላድነታ ካብ ምምስካር ዘይዓርፍ፡ ምስጋናኣ ኣብዚሑ ዝነግር ነበረ። ድሕሪ ናይ ነዊሕ ጊዜ ተጋድሎ እመቤትና ናይ ሰማያት ምሥጢር ናይ ገነትን ናይ ሲኦልን ነገር ከም ዝርኢ ገበረቶ። ኣብቲ ናይ መከራ ቦታ (ሲኦል) ናይ ነፍሳት ጭንቀትን ጻዕርን ሓዘንን ምስ ረኣየ ኣዝዩ ብምሕዛን “እመቤተይ ነፍሰይ ተጨነቐት ካብዚ ስፍራ ክፍለ መረጽኩ” በለ ብኡ ንብኡ ድማ እመቤትና ናይ ነገት ተድላ ናይ ቅዱሳን ክብሪ ከም ዝርኢ ገበረቶ።


ካህን ኣባ ኣቢብ ነዚ ድንቂ ቦታ ምስ ተመልከተ ናይ ምሥጋና መሥዋዕት ክሥዋእ ናይ ብርሃን ወሓዚ ክፈስስን ብዘይ ምቊራጽ ቅዱስ ቅዱስ ቅዱስ እንዳበሉ ዘሸብሽቡ መላእኽትን ኣዕጽምቲ ዘለምልም ናይ ሕጻናት ዝማሬ ምስ ሰምዐ ናይ ሓጎሱ ልዕልና ንድንግል ብተመስጦ ይገልጽ ነበረ። ኣብዚ ቦታ ኵሎም ቅዱሳን በብኽብሮም ተቐሚጦም ምስ ረኣየ ኣብቲ ጽቡቕ ግርማ ዝነበሮ ናይ ቅዱሳን ሓድነት ሓደ ኣገራሚ ነገር ኣስተውዓለ። እዚ ድማ ማንም ዘይተቐመጣ ሓንቲ ወንበር ርእዩ “እመቤተይ እዛ ወንበር ናይ መን እያ” ኢሉ ሓተተ። እመቤትና ድማ “ፈታውየይ ኣቢብ ናይ እግዚአብሔር ሕጊ እንተ ድኣ ሓሊኻ ብእምነትካ እንተጸኒዕካን መስቀሉ እንተ ተሰኪምካን ናትካ ክትከውን እያ” በለቶ። ኣባ ኣቢብ ውን ኣብ ናይ ቅዱሳን ማሕበር ተፈልያ ነጻ ኮይና ዝረኣያ ወንበር ንምርካብ ን27 ዓመታት  ናይ እመቤትና ኣማላድነት ሐገዝ ጌሩ ነበረ።


ኣብዚ ናይ ተጋድሎ ሕይወቱ ናይ ክርስቶስ መስቀል ብሓቂ ይሽከም ነበረ። እመቤትና ውን ዘወትር ትበጽሖ ነበረት። እመቤትና ናብ ኣባ ኣቢብ እትገብሮ ምብጻሕ ኵሎም ናይቲ ገዳም ደቂ ማሕበር ይፈልጡ ነበሩ። እቲ ዝነበሮ በዓቲ ድማ ብብርሃን ይምላእ ነበረ። ኣሕዋቱ ከመይ ኣለኻ ክብልዎ እንከለዉ ውን ብክርስቶስ  ብዛዕባ ዝተዋህበቶም ዓባይ ህያብ ብዛዕባ እመቤትና ይምስክር ነበረ። “ኣብ ጊዜ ሓዘነይ ደስታ ኣብ ጊዜ መከራይ ጽንዓት ኣብ ጊዜ ምግፍዐይ ብርትዐ ኣብ ጊዜ ህውከተይ ጸጥታ ናይ እግሪ መስቀል ህያበይ እያ” ይብል ነበረ። ብኢዱ ውን ብዙሕ ድንቅታት ይፍጸሙ ነበሩ። እመቤትና ውን መዓልቲ መዓልቲ ከም ብጻዩ ኣብ ጐኑ እንዳተረኽበት ተዘራርቦ ነበረት። በረኸቱ ይብጸሓና። ልመናአ ክብራ ናይ ወዳ ፈታዊኣ ምሕረት ኣብ ልዕሊ ኵልና ይሕደር ኣሜን።


ጸሎት

ኦ እመቤተይ ነዚ ተኣምርኪ ንዘንበብኩን ንዝሰማዕኩን ንዓይ ንባርያኽን ፈታዊኽን ኣብ ካይሮ ንዝነብር ንኣባ ኣቢብ ዝገበርክሉ ድንቂ ነገር ንዓይ ንባርያኺ ግበርለይ። ናትኪ ንጽሕና ስለ ርኽሰተይ ናትኪ ምእዛዝ ንዓመጻነተይ ናትኪ ክብሪ ንምውራደይ መተካእታ ኮይኑ ካብቲ ዘጨንቐኒ ዘሎ መከራይን ስቓይን ሽግረይን ቀልጢፍኪ ኣድሕንኒ።

ሓዘነይ ናብ ሓጎስ ስቓየይ ናብ ዕረፍቲ ምግፈዐይ ናብ ነጻነት ለውጥለይ ንዘለኣለም ኣሜን

No comments:

Post a Comment