bieteelyas.blogspot.com ቤተ ኤልያስ

Saturday 7 April 2018

በእንተ መልአክ ወፈያታይ ካልኣይ ክፋል



ፈያታዊ ዘየማን ድማ ከምዚ እናበለ መለሰ፦ “ኦ! ዝተፈተኻ መልኣኽ፡ ኣይትቆጣዕ፡ ኣነ መን ምዃነይን፡ ዝለኣኸኒ መን ከም ዝኾነን ክነግረካ እየ። ምሉእ ዘመነይ ኣብ ክፉእ ተግባራት ዘኅለፍኩ ሽፍታ እየ፡ ደም ሰብ ተቐባእኩ፡ ኪሰርቕ ኣብ መገዲ የድቢ ነበርኩ። ንሰብ ጸጋ (ሃብታማት) ኣድከኹዎም፡ ንድኻታት ከኣ ኣጥፋእኩዎም። ንሕፃናትን መንእሰያትንውን ኣይራኅራኅኩሎምን፡ ብዙኅ ቅትለት ቀተልኩዎም። ብደም ሰብ ከኣ ከም ብማይ ተሓጸብኩ።

 እቲ መልኣኽ ናይ ፈያታይ ነገር ምስ ሰምዐ ተደነቐ፡ ሰምበደውን። ነቶም ረቀቕቲ ሠራዊተ መላእክት ድማ ጸውዖም፡ ናብኡ ኸኣ ተቐላጢፎም መጽኡ። “ኦ! ማኅበረ መላእክት እስከ ንዑ ምሳይን ምስ እዚ ምድራዊ ሰብን ብምዃን ኣድንቑ፡ (ማለት ኣደናቒ ነገር ስምዑ)። ናብ ፈያታይ ዘየማን ተመሊሱ ‘ኣንታ ድኹም ናብዚ ናይ ሕያዋን መላእኽቲ ሃገር እንታይ ኪትገብር መፂእካ፧’ በሎ። ኣንታ ደም ሰብ ዝተቐባእካ፡ በየናይ መገዲ ናባና መፂእኻ፧ ከመይ ከ ነበልባል ሓዊ ዘየቃጸለካ፧ ኣንታ ሰራቒ፡ ኣብ ሃገርና ዋላ ሓንቲ ትሰርቆ የልቦን፡ ኣንታ ቀታሊ ነፍሲ ንመላእኽቲ ኪትቀትሎም ኣይትኽእልን ኢኻ። ኣንታ ንሰባት ዘጥፋእካ ንረቀቕቲ መላእኽቲ ከተጥፍኦም ኣይትኽእልን ኢኻ። ኣንታ ሳዕርን ሓሰርን፡ ከመይ ኢልካ ንናይ ሓዊ ባሕሪ ኃለፍካዮ፧ ኣብ ማእከል ረቀቕቲ መላእኽቲ ኸ እንታይ ትገብር ኣሎኻ፧ ናይዞም ብርሃናውያን መላእኽቲ ሓዊ ዝኾነ ናይ ኣኽናፎም ዋዒ ከየቃጽለካ ኪድ ናብቲ ዝመጻእካሉ ሃገር ተመለስ። ኦ! ሓመድ፡ ቀጽሪ ገነት ሓዊ ከም ዝኾነ ኣስተውዕል፡ ናብኣ ምቕራብ ኣይትኽእልን ኢኻ፡ ናብኣ ምስ ትቐርብ፡ ንኣኻ ንድኹም ከተቃጽለካ እያ፡ ኣንታ ሽፍታ! ከመይ ኢልካ ኸ ብልዕሊ እዚ እኩብ ሓዊ ኪትኃልፍ ደፊርካ፧” በሎ።

 ፈያታይ ዘየማን ከኣ መሊሱ ነቲ መልኣኽ ከምዚ በሎ፦ “ኦ! ረቂቕ ዝኾንካ መልኣኽ፡ ነገረይ ስምዓኒ፡ ዋላ እኳ ኣብ ኵሉ ክፉእ ተግባራት እንተ ነበርኩ፡ እንተ ኾነ ግና ምሕረት ጐይታ ካብ ጥፍኣት ናብ ሕይወት ኣተንሥኣኒ። ካብ ኵሉ በደለይ ድማ ኣንጽሓኒ። ምሉእ ዘመነይ ብምብዳልን ነፍሲ ብምቕታልን ኣኅለፍኩ፡ ኣብ መወዳእታ መዓልተይ ድማ ምሕረት ጐይታ ናብ ሕይወት ሰሓበትኒ። ኦ! መልኣኽ ቃለይ ስምዓኒ፡ እነሆ ሰማያዊ ንጉሥ ጐይታኻ ሕይወት ዝሃበኒ ንሱ እዩ! ኣሚነሉ እየ እሞ ኣብ ዝኣመንኩሉ ጊዜ፡ ናብ ሃገር ሕያዋን ምእንቲ ኽኣቱ ናይ ይቕሬታ ማዕጾ ከፈተለይ። ኦ! መልኣኽ፡ ጐይታኻ ከማይ ዝበለ ሰብ ናብኡ ብንስሓ ኪምለስ ከሎ ደስ ይብሎ እዩ እሞ፡ ኃጥእ ንስሓ ኪኣቱ ኸሎ ደስ ክብለካ ይግባእ። ደጊሙውን እቲ ኃጥእ ንስሓ ክኣቱ ኸሎ፡ በዚ ሓደ (ዝንሳሕ) ኃጥእ መላእኽቲ ደስ እዩ ዝብሎም” በሎ።

እቲ መልኣኽ ድማ ነቲ ሽፍታ መለሰሉ፦ “መገዱ ንኽጸርግ ሓደ ካብ መላእኽቲ ዘይለኣኸስ ከመይ እዩ፧ ንምንታይ ደኣ ነቲ ሓለቓ (ርእሲ) ኣቦታት ዝኾነ ኣብርሃም ኃዲጉ ንኣኻ ለኣኸ፧” በሎ።

 ከመይ ገይሩ ኸ ንሙሴ ዘይለኣኾ፡ ንኢያሱ ወዲ ነዌ ወይ ከኣ ኤልያስ ወይ ወደ መዝሙሩ ኤልሳዕ፡ እዚኣቶም ምዉታን ዘተንሥኡ ነቢያት እንከለዉስ ከመይ ኣቢሉ ንኣኻ ለኣኸ፧ ብዛዕባ ልደቱን ሕማሙን ሞቱን ትንሣኤኡን ናብ ሰማይ ምዕራጉን ርእዩ ትንቢት ንዝተነበየ ዳዊት ከ ንምንታይ ኣይለኣኾን፧…. ጻድቕ ኣቤልን ንሠናይ ምግባር ዝርኢ ሴትን፡ ዝተመረጸ ኖኅን ፈታዊኡ ኣብርሃምን ወዱ ይስሐቅን እስራኤል ዝተባህለ ዝኸበረ ያዕቆብን ከ ኣበይ ኣለዉ፧ እዚኣቶም ዝተመርጹ ደቂ መንግሥቲ እዮም። ከመይ ኣቢሉ ደኣ ንኣኣቶም ኃዲጉ ብደም ንዝተቐባእካ ንኣኻ መገዱ ንኽትጸርግ ለኣኸካ፧” በሎ።

 ፈያታይ ዘየማን ከኣ ነቲ መልኣኽ መለሰሉ፡ “ኦ! መንፈሳዊ ቃለይ ስምዓኒ፡ ምስ መላእኽቲ ንምክርኻር ዘይኮነስ ጐይታኻ ናብ ገነት ስለ ዝለኣኻኒ እየ። ምሕረት ጐይታ ካብ ዝወደቕኩሉ ኣተንሢኣትኒ ኣላ እሞ፡ ስለዚ ነዞም ንስኻ ዝጠቐስካዮም ጻድቃን ገዲፉ ንኣይ ለኣኸኒ። እዞም (ዝጠቐስካዮም) ሕያዎት ድማ ብዓቢይ ክብሪ ምስ ጐይታ ኪመጽኡ እዮም። ንኣይ ግና ኣብ መስቀል ኮይኑ ናብ ገነት ልኣኸኒ። ሕሙማት እዮም ሓኪም ዝደልዩ፡ ጥዑያት ኣይኮኑን ፈውሲ ዝደልዩ። ንኣይ ፈጺሙ ይቕረ በለለይ፡ ንኣይ ናብ ገነት ምልኣኽ ኣቐደመ። ካብዛ ዕለት ብዘይካ ሓንቲ ሰዓት ኣየገልገልኩን። ኣንታ ናይ ጐይታ መልኣኽ ሕጂውን ቃለ እግዚአብሔር ስማዕ፡ መፍትሕ ናይዚ ሓዊ መፍትሕ ድማ ኣልዕል (ውሰድ)፡ ንጉሥ ጐይታኻ ኣብ መስቀል ኮይኑ መፍትሕ ገነት ሂቡኒ እዩ።”

እቲ መልኣኽ ከኣ መለሰ፦ “ኦ! ፈያታይ ንኣኻ እነግረካ ኣለኹ፡ ጐይታኻ ክሳዕ ዝመጽእ ናብ ሃገር ሕያዋን ፈጺምካ ኣይትኣቱን ኢኻ። ኣብኡ ክሳዕ ዝርእየካ ነታ ጸጋ ኣይትርእያን ኢኻ። ናይ ኣዳም ጐይታ ክሳእ ዝመጽእን ክሳዕ ዝኸፍትን፡ ነዚ ብምኽንያት ኣዳም ዝተዓጽወ ማዕጾ ኣይከፍቶን እየ። ኣንታ ፈያታይ ስማዕ፡ መላእኽቲ እኳ ክብራ ክርእዩ ኣይክእሉን፡ ብደም ሰብ ንዝተቐባእካ ንኣኻዶ ይልእኽ፧” በሎ።

 እቲ ሽፍታ ድማ ነቲ መልኣኽ መለሰሉ፦ “ሰማይ ክናወጽ፡ ምድሪ ድማ ጸጥ ኢላ እንከላ፡ እቲ ፍቑር ወልድ ኣብ ዕንጸይቲ ተሰቒሉ እንከሎ፡ ኣነ ብጐይታ ኣመንኩ፡” በሎ። ምስ ኣመንኩሉ ድማ ኵሎም ፍጥረታት ተደነቑ፡ እዚ ጽሕፈት እዚ ድማ ጸሓፈለይ። ‘ኣንታ ሰብ እመነኒ! ሎሚ ምሳይ ኣብ ገነት ከም እትኸውን ብሓቂ ብሓቂ እብለካ ኣሎኹ’ በለኒ። መላእኽቲ ሰማይ ድማ ብኣይ ተሓጐሱ። ኣብቲ ጐይታኻ መከራ ዝተቐበለሉ ቦታ ምእመናን ኣብኡ ኣይነበሩን፡ ኵሉ ፍጥረት ብፍርሃት ጸጥ ኣብ ዝበለሉ ጊዜ፡ ናይ ሰማይ ሠራዊት ብምፍራህን ብምንቅጥቃጥን ገጾም ኣብ ዝሸፈኑሉ ጊዜ፡ ገብርኤል ክሳዱ ክደፍእ እንከሎ፡ ሚካኤልውን ናብኡ ክርኢ እንከሎ፡ ብዘይካይ ዋላ ሓደ ኣይነበረን። ኣኽሊል እሾኽ ኣብ ርእሱ እዩ፡ ረቀቕቲ ሠራዊተ መላእክት ብፍርሂ ደው ኢሎም ነበሩ። ካብ ፍርሂ ዝተላእለ ሓዋርያት ተኃብኡ፡ ኣደኡ ማርያም ኣብ ርሑቕ ደው ኢላ ትበኪ ነበረት። ህውከት ናይቶም ከሓድቲ ኣይሁድ ድማ ከም ማዕበል ባሕሪ ኮነ። ንመዓልቲ ኸኣ ጸልማት ሸፈኖ። ናይ ቀያፋ ሠራዊት ቀልጢፎም ሃደሙ፡ ምስ እዚ ኵሉ እዚ ግና ብጽኑዕ ሃይማኖት ደኣ ንእግዚአብሔር በይነይ ኣመስገንኩዎ እምበር፡ ኣነስ ትም ኣይበልኩን። እቶም ሕዝቢ እናጨደሩ ናይ ጸርፊ ቃላት ይዛረቡ ነበሩ፡ ኣነ ግና ነዚ ናይ ክብሪ በዓል ቤት ዝኾነ ናይ እግዚአብሔር በጊዕ፡ ኣብ ዕፀ መስቀል ኣብ ዝተሰቕለሉ ጊዜ ኣመስገንኩዎ። ናይ ቀያፋ ሠራዊት ኣብ ልዕሊኡ ይላገጽሉ ነበሩ፡ ሽዑ ደኣ (መልኣኽ) ኣበይ ኔርካ፧ ኵሎም መላእኽቲ ኸ፡ ሰማይን ምድርን ኵሉ ፍጥረት ብፍርሃት ጸጥ ኣብ ዝበሉሉ ጊዜ፡ ንዓለም ጸልማት ክውሕጣ እንከሎ፡ ሽዑ ደኣ ንስኻ ኣበይ ኔርካ፧ ብርትዐ ኃይልኻ ደኣ ኣባይ ጥራይ ዲኻ ትገልጾ፧ ንጐይታኹም ኪሽንክርዎ እንከለዉስ ንምንታይ ስቕ ኢልኩም፧ ገጹ ኪጸፍዑ እንከለዉ ኸ ከመይ ዘይተዛረብኩም፧ ምራቖም ኪተፍኡሉ እንከለዉስ ንምንታይ ካብኡ ርሓቕኩም፧ እስኪ ርእስኻ ኣድኅን ክብልዎ እንከለዉ ንምንታይ ኣንቀጥቂጥኩም፧ 

እቲ ምስኡ ዝነበረ ስምዖን ጴጥሮስ ከሓደ፡ ከም ዘይፈልጦ ድማ መሓለ። እቲ ኣብ ልዕሊ ሙዳየ ምጽዋት ኣሚኑ ዝሸሞ ይሁዳ ኣኅሊፉ ሸጦ፡ ናይቲ ሽያጥ ዋጋ ኸኣ ወሰደ፡ እቲ ኣብ ጎኑ ዝቕመጥ (ዮሓንስ) ግና ኣብ ጊዜ መከራ ምስኡ ብምዕጋሥ ካብኡ ኣይተፈልየን።
ኣብ ምደረ በዳ ብኃሙሽተ እንጌራን ክልተ ዓሳን ንኃሙሽተ ሽሕ ሰባት ከጽግብ ከሎ፡ ኣነ ምስኡ ኣይነበርኩን። ነቲ ማይ ጥዑም ወይኒ ኪቕይሮ እንከሎውን ካብቲ ወይኒ ኣይሰተኹን። ንባሕርን ንፋሳትን ኪግስጾም ከሎ፡ ንሳቶምውን ኪእዘዝዎ ኸለውን ምስኡ ኣይነበርኩን። ነቲ ካብ ዝመውት ኣርባዕተ መዓልቲ ዝገበረ (ኣልኣዛር)፡ ካብ መቓብር ከተንሥኦ እንከሎ ኣይነበርኩን። ክፉኣት ሰባት ናይ ቄሣር ግብሪ ካብኡ ኪደልዩ እንከለዉ ምስኡ ኣይነበርኩን….

እንተ ኾነ ግና ኣብ ዕፀ መስቀል ተሰቒሉ እንከሎ ደኣ ኣመንኩዎ፡ ኣይሁድ ክዳኑ ኪማቐሉ ከለዉን ንቐሚሱ ዕጭ ከውድቕሉ ከለዉን ሓዋርያት ኣብ ርሑቕ ደው ኢሎም ክርእዩ እንከለዉ፡ መላእክቲውን ካብ ብዝኂ ፍርሃት ዝተላዕለ ትም ኣብ ዝበልሉ ጊዜ፡ ምስኡ ነበርኩ፡ ሽዑ ድማ ረኣኹዎ። ጎኑ ብኲናት ምስ ተወግአን እታ ዕንጸይቲ ብኽቡር ደሙ ምስ ተቐብአትን፡ ምልእቲ ዓለም ጸልማት ምስ ጋረዳን፡ ኵሉ ፍጥረት ኣብ ምፍራህን ምንቅጥቃትን እንከሎ፡ ኣብዚ ኵሉ መከራ እዚ እንከሎ ንወልድ ረኣኹዎ።”

ኦ! መልኣኽ፡ እነግረካ ኣሎኹ፡ ኣነ ግና ስቕ ኣይበልኩን፡ ኣብ መንግሥቱ ኪመጽእ ከሎ ምእንቲ ክዝክረኒ፡ ናብኡ ብምጭራሕ ለመንኩ፡ ልመናይ ብቕጽበት ተቐቢሉ ኸኣ ናባኻ ለኣኸኒ። ሕጂ ድማ ነዚ ዝተለኣኽኩዎ ጽሑፍ ተቐበል፡ ኣንብባ ከኣ፡ ናይዚ ዓቢይ ንጉሥ ማኅተም ከኣ ርአ። ኦ መልኣኽ ነዚ ናይ ሓዊ ማዕጾ ዝኸፍት መፍትሕ እንካ ውሰድ” በሎ። 3ይ ክፋል ይቕጽል

No comments:

Post a Comment