bieteelyas.blogspot.com ቤተ ኤልያስ

Friday 6 April 2018

በእንተ መልአክ ወፈያታይ (ብዛዕባ መልኣኽን ሽፍታን) 1ይ ክፋል


ክርስቶስ ወዲ ሕያው እግዚአብሔር ርድኣኒ፡ ናይ ተኣምራትካ ምሥጢር ንኽገልጽ፡ ውሽጣዊ ኣእምሮይ ብሩህ ግበረለይ፡ ትእዛዝካ ንኽገብር ድማ ኣጽንዓኒ። ስምዖን ጴጥሮስ ብኣኻ ጸኒዑ ኣብ ልዕሊ ባሕሪ ከደ፡  ድንቂ ንዝኾኑ ተኣምራትካ ተርጕመ ምአንቲ ክኽእል ከምኡ ኣባኻ እጽናዕ።….እቲ ንዅሉ ዝፈጠረ ኣብ ማእከል ኢዱ ብሽንካር ተሸንከረ፡ እቲ ብቓሉ ንኣቦና ኣዳም ዝፈጠረ ኣፍ መሪር ከርቤ እተሓወሶ ሓሞት ሰተየ። እቲ ነቢያት ብዛዕባኡ ዝተነበይዎ ኵሉ ፈጸሙ። ኣእዳዉን ኣእጋሩን ሸንከሩዎ፡ ኵሉ ኣዕጽምቱ ኸኣ ቈጸሩ፡ ኣብ ገጹ ድማ ምራቖም ተፍኡሉ። ኣብ ልዕሊኡ ተማኸሩ፡ ንኽዳኑ ተማቐሉ፡ ንቐሚሱ ድማ ዕጫ ኣውደቑሉ። ኣብ ሰማያት ዘለዉ ፍጥረታት ተደነቑ፡ እቲ ሠራዊተ መላእክት ብፍርሃት ኣብ ቅድሚኡ ዝቖሙሉ ሰማያዊ ንጉሥ፡ ኣብ ኣደባባይ ኃጥኣን ስለ ዝቖመ መላእኽቲውን ሰምበዱ። ነቶም ኣብ ውሽጢ ዓለም ዝነብሩ ኵላቶም ንኸጥፍኡ መባርቕት ተሃወኹ። ንዅሎም ኣሕዛብ ምእንቲ ኸጥፍእ ነጐድጓድ ድምፂ ኣስምዐ። ንኸሓድቲ ኣይሁድ ኪበልዕ ሓዊ ነደደ፡ እምባታት ድማ ካብ መሠረቶም ተነቓነቑ። ንፈሳትውን ኣብ ኵሉ ዓለም ነፈሱ፡ ዓለም ብምልእታ ጸልማት ሓዛ። ፀሓይ ጸልመተ ቀትሪ ኸኣ ለይቲ ኮነ። ብርሃን ጠፍአ ጸልማት ነገሠ፡ ፀሓይ ብርሃና ሠወረት ለይቲ ድማ ኾነ። ይሁዳ ኣትኀዞ፡ ቶማስ ሃደመ፡ ጴጥሮስ ከሓደ፡ ኣባጊዕ ፋሕ በላ፡ እመቤትና ማርያም ኣልቀሰት፡ ዮሓንስ ድማ ኣብ ርሑቕ ደው ኢሉ ነበረ፡ እቶም ልዑላን ኀዘኑ፡ ንዓለም ብምልእታ ጸልማት ሸፈና። ካብ ብዝኂ ፍርሃቶም ዝተላዕለ ሓዋርያት ሃደሙ፡ መላእኽቲ ሰማይ ብስቕታ ተደነቑ። ሰማያውያንን ምድራውያንን ፍጥረታት ሰምበዱ፡ እታ ኣደ ብርሃን ዝኾነት ማርያም እናበኸየት ንመላእክቲ ተዛረበቶም። ኦ ገብርኤል! ነዚ ሕዝቢ ኣይሁድ ዝላገጹሉ ዘለዉ ንጐይታኻ ርአ፡ እነሆ ኣእዳዉን ኣእጋሩን ሸንኪሮምዎ እዮም እሞ፡ ሓዋርያት ፈሪሆም ንንጉሥ ንበይኑ ኃዲጎምዎ እንተሃደሙስ ንስኻትኩም ከ ኣንቱም ረቀቕቲ መላእኽቲ ንምንታይ ገደፍኩምዎ፧ እቶም መሬታውያን ሞት እንተፈርሁስ ንስኻትኩም ሰማያውያን መላእኽቲ ኸ ንምንታይ ካብኡ ርሒቕኩም፧ ሰዶምን ገሞራን ብናትኩም ኃይሊዶ ኣይኮናን ዝጠፍኣ፧ ካብ ክንፍኹም ሓዊ ወፂኣ ነቶም ኣብኡ ዝነብሩ ሰባት ኣቃጸለቶም። ንምንታይ ደኣ ነቶም ገበነኛታትን ከሓድትን ሕነ ጐይታኹም ዘይትፈድዩ፧ ነቢይ ሙሴ እኳ ንወገናቱ ብምርኅራኅ ካብ ኢድ ግብጻውያን ንኸድሕኖም ለመነ፡ ንስኻትኩም ከ ደኣ ንምንታይ ደንጒኹም፡ ብቕልጡፍ ኣይትብቀሉን!፧ 

ሠራዊተ መላእክት ሰምበዱ፡ ሓዊ ኸኣ ስቕ በለት ማለት፡ (ናይ እሳታውያን) መላእኽቲ ቊጥዓ ብምሕረት እግዚአብሔር ተታኂዛ ማለት እዩ። እቲ ናይ ሓዊ ፈጣሪ ኣብ ልዕሊ ዕንጨት ተሰቕለ። ሰማያውያን ንኣኡ ንኸይርእዩ ገጾም ሸፈኑ፡ ምድራውያን ግና ኣብ ገጹ ምራቖም ይተፍኡሉ ነበሩ። ኣኻውሕ ተጨደ፡ ናይ ዓመጸኛታት ልቢ ግና ካብ ላግጺ ኣይተመልሰን። መቓብር ተኸፍቱ፡ ምዉታን ከኣ ሰምዑ፡ ኣእዛን ከሓድቲ ግና ኣይሰምዑን።

እቲ መልኣኽ ድማ ንኣደ ብርሃን መለሰላ። ከምዚ ድማ በላ፦ “ኦ! ቅድስቲ፡ ኣይትኅዘኒ ኣይትብከዪ ድማ፡  ፍቓዱ እንተ ዘይከውንሲ ኣይምተሰቕለን፡ ነይሮም። ብብዝኂ ፍቕሩን ይቕሬታኡን ካብ ልዕልናኡ ወረደ እምበር፡ ኪሰቕሉዎውን ኣይምኸኣሉን። ሰብ ኮይኑውብ ብፍቓዱ ኣብ ልዕሊ ምድሪ ተገልጸ፡ ተራእየ፡ ንኣዳምን ደቁን ምእንቲ ኬድኅን። ኦ! ቅድሰትን ንጽሕትን፡ ንኣኺ እነግረኪ ኣሎኹ፡ ወድኺ ብሞቱ ካብ ደቂ ኣዳም ንሞት ኣጥፍአ። ብሞት ወድኺ ድማ ኣፍ ደጌታት ሲኦል ተኸፍቱ። መእሰሪ ኃጢኣት ድማ ተፈትሐ። ኦ! ኣደ ብርሃን ነቶም ተማሪኾም ዝነበሩ ድማ ኣውፅኦም። ፍቓዱ እንተ ዘይከውንሲ ዕንጨት ኣይምተሰከመቶን ኣይምሞተንውን ነይሩ።

ምዉታን ኣተንሥአ፡ ዓይኒ ዕዉራት ኣብርሀ፡ እንተ ዘይፈቅድሲ ብሽንካር ኣይምተሸንከረን ነይሩ፡ ለምጻማት ኣንጽሐ፡ ጥፍጣፍ ርኹሳት ኣብ ገጹ ተቐበለ። ንፈርዖንን ሠራዊቱን ኣብ ባሕሪ ኣስጠመ፡ ናይ ዓመጸኛታት ክፍኣት ግና ተዓገሠ። ንማይ ናብ ጥዑም ወይኒ ቀየሮ፡ ኣብ ዕፀ መስቀል ኮይኑ ግና መጺጽ ምስ ሓሞት ሰተየ። ንማዕበል ባሕሪ ጸጥ ኣበሎ፡ ንናይ ዓመጸኛታት ናይ ክፍኣት ማዕበል ግና ተዓገሠ። ንፀሓይ ኣጸልመተ፡ ንዝቐተልዎ ግና ኣይተቐየመን። ኣኻውሕ ጨደደ፡ ናይ መናፍቓን ልቦና ድማ ተሸበረ። ንሰማያውያን ሠራዊት መላእኽቲ ኣንቀጥቀጠ፡ ድኹማት መሬታውያን ደኣ ከመይ ገይሩ ይስዕርዎ፧ ንጉሥ ክርስቶስ ኣብ መስቀል ኮይኑ ድምፁ ምስ ኣስምዐ፡ ናይቲ ረቂቕ ዝኾነ መለኮት ድምፂ ምስ ሰምዑ፡ ኵሎም ፍጥረታት ወደቑ። መጋረጃ ቤተ መቕደስ ተተርተረ፡ መዓልቲ ጸልማት ኮነ፡ ጽልማት ሠልጠነ። ሞት ሰምበደ፡ ጸላኢ ዲያብሎስ ከኣ ፈርሀ፡ ተሸበረ፡ ብግንባሩውን ተደፍአ። መቓብር ተኸፍቱ ምዉታን ከኣ ተንሥኡ። ቀጽርታት ሲኦል ፈራረሱ፡ እሱራት ካብ ውሽጢ ጸልማት ወፁ፡ ሽዑ እቲ ኣብ የማን ጐይታ ተሰቒሉ ዝነበረ ሽፍታ ብርሃን ተራእዮ፡ ሕዝቢ ኣይሁድ ደው ኢሎም ከለዉ ድማ፡ ናይ ዓወት ኣኽሊል ተጐናጸፈ። ፈያታይ ዘየማን ‘ኣብ ትመጽእ መንግሥትኻ ዘክረኒ’ እናበለ ናብ ፈጣሪና ክርስቶስ ጨርሐ።

ናይ ፈያታይ ዘየማን ሃይማኖቱ ተገልጸ፡ ብጽንዓት ሃይማኖቱ ንብርሃን ፀሓይ ሰዓረ። ንቚጥዓ እቶም ከሓድቲ ኣይሁድ ከም ማዕበል ባሕሪ ምስ ሰዓረ፡ ኣብ ትመጽእ መንግሥትኻን ትንሣኤኻን ዘክረኒ እናበለ፡ ናብ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ጨርሐ። ጐይታና ኣብ ልዕሊ ዕፀ መስቀል ዕራቑ ተሰቒሉ እንከሎ፡ ሽዑ ሠራዊተ መላእክት ወይ ኪሩቤል ዝሽከምዎ መንበር ኣይረኣየን፡ ናይ ባህርያ ክብሩውን ኣይረኣየን። ፈያታይ ዘየማን ውሽጣዊ ኣእምሮኡ በርሀ፡ ብጽንዓት ሃይማኖቱ ድማ ‘ኣብ መንግሥትኻ ዘክረኒ’ በለ። ፈያታይ ዘየማን ንክርስቶስ ጐይታና ብትሕትናኡ ረኣዮ፡ በቲ ኣብ ጊዜ ትንሣኤ ዝግለጸሉ ናይ ባህርይ ክብሩ ኣይኮነን። ካብኡ ድማ ይቕሬታን ምሕረትን ደለየ። ‘ኦ ጐይታ ኣብ ትመጽእ መንግሥትኻ ዘክረኒ’ በለ። ልመናኡ ድማ ናብ ሰማይ በጽሐት።……ነዚ ኣብ መበል ዓሠርተው ሓደ ሰዓት ናብ ኣታኽልቲ ወይንኻ ዝኣተኹ ንኣይ፡ ከም ብዝኂ ይቕሬታኻ ይቕረ በለለይ። ኣብ ኣታኽልቲ ወይኒ ካብ ንግሆ ክሳዕ ምሸት ዘገልገሉ ደሞዞም ንምውሳድ ዝግብኦም ድሉዋት ይኾኑ፡ ኣነ ግና ብዘይካ እዛ ሓንቲ ሰዓት ናይ መዓልቲ ኣየገልገልኩን።….ኦ ጐይታይ ኣብ ቅድሚ ሠራዊት ቀያፋ ኣሚነካ እየ እሞ፡ ኣብ ቅድሚ እቲ ናይ ሰማያት ኣቦኻ እመነኒ።

…ጐይታ ኢየሱስ ከኣ ንፈያታይ መለሰሉ፡ “ንስኻ ከም ዝበልካዮ ይኹነልካ፡ ተድላን ሓጐስን ኣብ ዝግበረሉ ኣብ ገነት ሎሚ ምሳይ ከም እትኸውን ብሓቂ ብሓቂ እብለካ ኣሎኹ።…ምስ መላእኽቲ ደስ ክብለካ እዩ። ኣእዛንካ ናይ ጸርፊ ቃላት ሰሚዐን እየን እሞ፡ ምስ ሠራዊተ ብርሃን ስለ ዝኣመንካለይን፡ ንቀያፋን ሠራዊትን ኣይሁድን ካህናቶምን ስለ ዘኅፈርካ ከሐጕሰካ እየ። ኣብ ገነት ዝርከብ ናይ ክብሪ ዘውዲ ከጐናጽፈካ እየ። ኣንታ ሰብ ንኣኻ እብለካ ኣሎኹ፡ ናይ ብርሃን መኽፈቲ ውሰድ፡ ናብታ ሓጎስን ተድላን ዘለዋ ገነት ኪድ፡ ንንጉሥ ብርሃን ድማ መገዱ ጽረግ። ኣብ ልዕሊ ንፋሳት ተቐመጥ፡ ብዘይ ፍርሃት ነቲ ናይ ሓዊ ባሕሪ ብማእከል ነበልባሉ ተሳገር። ንዅሎም ሠራዊት መላእኽቲ ንገሮም፡ ነዚ ዓወት እዚ ስበኽ፡ ኣብ ማእከል ገነት ናይ ሰላም ኣዋጅ ንገር። እቲ ገበነኛ ኣዳም ናብ ናይ ቀደም መንበሪኡ ከም ዝተመልሰ ንገሮም። ኣብ መገድኻ ሠራዊተ መላእክት እንተ ረኺብካ ድማ ካብኣቶም ኣይትፍራህ፡ ንሳቶም በዚ ኂዝካዮ ዘለኻ መልእክቲ ደስ ክብሎም እዩ እሞ፡ ብኣኽናፎም ክስከሙኻ እዮም።”
 ብድኅርዚ ጐይታና ንፈያታይ ዘየማን ናይ ሕይወት መጽሓፍ ጸሓፈ፡ ነታ መጽሓፍ ድማ ብኽቡር ደሙ ኃተማ ኣኽበራ። ፈያታይ ብደም ጐይታና ከበረ ሕይወት ከኣ ረኸበ ውሉድነት ድማ ተቐበለ። ካብ ጐኒ ጐይታና ብዝፈሰሰ ማይን ደምን ብምጥማቕ፡ ናጻ ብርሃንን ክብርን ዘለዋ ውሉድነት ተጐናጸፈ። 

ነዛ ናይ ገነት መኽፈቲት ዝኾነት መጽሓፍ ተቐቢሉ፡ ናይ ሓዊ ባሕሪ ተሳገረ፡ ነበልባሉ ድማ ኣየቃጸሎን። ኣብ ማእከል እቲ ሓዊ ኣብ ዘሎ መገዲ ምስ በጽሐ መልኣኽ ረኸቦ። ብቚጥዐ ድማ መርመሮ። “ንስኻ መን ኢኻ፧ ንገረኒ! ካበይ ከ መጺኻ፧ ከመይ ኢልካ ኸ በዚ ውሽጢ ሓዊ ኃሊፍካ፧” በሎ። ንፋሳት ከ ከመይ ኢሎም በዚ ሃልሃልታ እዚ ብኃይሎም ተሸኪሞምኻ፧ ንኣካ ንድኹም ከ ከመይ ኢሉ ኣየቃጸለካን፧ ነዚ ባሕሪ እሳት ከመይ ኢልካ ኃሊፍካዮ፧ ዋላስ እቲ ትእዛዙ ዝሓለወ ናይ እግዚአብሔር ኣገልጋሊ ዝተባህለ መልከ ጼዴቅ ንስኻ ኢኻ፧ ማዕበላት ናይዚ ነበልባል ከመይ ኣየቃጸሉኻን፧ ኣብ ልዕሊ እዚ ባሕረ እሳት ሥልጣን ዝሃበካስ መን እዩ፧ ኣንታ ሰብ! እስከ ንገረኒ፧ ነዚ ዓቢይን ዘፍርህን ናይ ሓዊ ባሕሪ ከመይ ኣይፈራህካዮን፧ ንስኻ እቲ እግዚአብሔር ዝፈጠሮ ኣዳም ዲኻ!፧ ወይስ ትሩፋቱ ብዙኅ ዝኾነ ጻድቕ ሴት ኢኻ፧ ወይስ እቲ ንማዕበል ማይ ኣይኂ ዝሰኣረን፡ ብንጹሕ መሥዋዕቱ ንእግዚአብሔር ዘሐጐሰ ኖኅ ንስኻ ዲኻ፧ እቲ ናይ ኣቦታት ኣቦ ኣብርሃም ወይስ፡ እቲ ብኻራ ካብ ምሕራድ ዝደኃነ ይስኃቅ ንስኻ ዲኻ፧ ንእግዚአብሔር ኣብ ልዕሊ መሳልል ፊት ንፊት ዝረኣዮ ያዕቆብ፡ ወይ ኃያል ብምዃኑ ንኲናት ሰይጣን ዝሰዓረ ዮሴፍ ንስኻ ኢኻ፧ ኣብ ቅድሚ ኣሕዛብ ባሕሪ ኤርትራ ዝኸፈለ፡ ንባሕሪ ጸጥ ዘበለን ምስ እግዚአብሔር ዝተዘራረበን ሙሴ፡ ወይ ፀሓይ ብቐትሪ ዘቖመ ኢያሱ ወዲ ነዌ ንስኻ ዲኻ፧ ናይ እግዚአብሔር ምውራድ ከምቲ ኣብ ልዕሊ ጸምሪ ዝወርድ ዛዕዛዕታ ዝመሰለ ጌዴዎን ወይስ ስለ እቲ ዝተመባጽዖ ጓሉ ዝሠውዐ ዮፍታሔ ንስኻ ዲኻ፧ ብትቢቱ ንጐይታ መንክር ኢሉ ዝሰመዮ (ዝጸውዖ) ነቢይ ኢሳይያስ ወይ ድማ እግዚአብሔር ኣብ ልዕሊ ሠረገላ ዝረኣዮ ሕዝቅኤል ንስኻ ዲኻ፧ ኣፍ ኣናብስቲ ዝዓጸወ ዳንኤል ወይ ድማ ነበልባል ሓዊ ዘይተንከዮም ሠለስቱ ደቂቅ ንስኻ ዲኻ፧ ኣብ ልዕሊ ባሕሪ ዝኸደ ስምዖን ጴጥሮስ ወይ ኣብ ጥቓ ጐይታ ኮፍ ዝበለ ዮሓንስ ወይ ኣብ ርእሲ ጐይታ ኢየሱስ ኢዱ ዝጸዓነ፡ ብኣምሰለ ርግቢ መንፈስ ቅዱስ ኣብ ልዕሊኡ ኪወርድ ዝረኣየን፡ ‘ብኡኡ ዝሠመርኩ ዝፈትዎ ወደይ እዚ እዩ’ ዝብል ቃል ዝሰምዐ ዮሓንስ ወዲ ዘካርያስ ንስኻ ዲኻ፧ ኣንታ ድኹም ሰብ! ንገረኒ። መን ኢኻ ንስኻ፧ ናይ ባሕሪ ሓዊ ብትብዓት ዝተሳገርካን ኣቃጺሎም ዘየጥፍኡኻን” ኢሉ ሓተቶ።

ፈያታይ ዘየማን እንታይ ኢሉ ይምልስ ይኸውን። ነፍሲ ወከፍ ሰብ ካብ ነብሰይ ጀሚርካ ምንነትና ከይኃባእና ኣብ ኮመንት እንተ ንጽሓፍ፡ ካብ መልሲ ናይዚ ሽፍታ ዝፍለ ኣይኮነን። 

ካልኣይ ክፋል ይቕጽል….

No comments:

Post a Comment