bieteelyas.blogspot.com ቤተ ኤልያስ

Saturday 7 April 2018

በእንተ መልአክ ወፈያታይ (ብዛዕባ መልኣኽን ሽፍታን) 3ይ ክፋል


ነታ ብደም ናይ ጐይታና ዝተኃትመት መጽሓፍ ምስ ረኣየ፡ ብግንባሩ ሰገደ፡ ኣኽበሮ ሓቖፎ ድማ፡ ብረቀቕቲ ኣኽናፉ ድማ ጋረዶ። ንፈያታይ ዘየማን ከኣ “ኦ! መሬታዊ፡ ብትእዛዝ ጐይታኻ መጺኻ ኢኻ እምኦ ሰላምታ ይግብኣካ።” በሎ። ናብ መኅደሪ እዞም ረቂቓን መላእክቲ እቶ፡ ኣብኡ ድማ ደስ ይበልካ። ኣብዛ ኣቦኻ ኣዳም ዝወፅኣላ፡ ደስታን ተድላን ዝግበረላ ገነት እቶ። ምስዞም ኣብ ሰማያት ዘለዉ ሠራዊተ መላእክት ናብ ሰማያዊ መንግሥቲ ኣቲኻ (ምስኦም) ሓደ ኩን። ኦ! ፈያታይ፡ ጐይታ ነዛ ኽብሪ እዚኣ ድሉው ገይሩካ እዩ እሞ፡ ኣቲኻ ካብ ቁስልኻ ተፈወስ።  ኣብ ምድሪ ሽፍታን ሰራቕን ዝነበርካ፡ ኣብ ዳኅረይቲ መዓልቲ ናይ መንግሥተ ሰማያት ወራሲ ስለ ዝኾንካ፡ እነሆ ምድራውያንን ሰማያውያንን በብነገዶም ብዛዕባኻ የድንቑ።

ኣብ ምድሪ ቀታሊ ነፍሲ ነበርካ፡ ኣብዛ ዳኅረይቲ መዓልቲ ግና ረቂቕ ዝኾነ ናይ ውሉድነት ክብሪ ንምቕባል በቒዕካ። ኦ! ፈያታይ፡ እቲ ዝለኣኸካ ንጉሥ ኣበይ ኣሎ፧ እንታይ ይገብር ኣሎ፧ እንታይ ኮይኑ ኸ ምምጻእ ደንጎየ፧ እቲ ክደልዮ ኢሉ ካብ ልዑል መኅደሪኡ ዝወረደ ወሪዱ ዝነበረ ጐይታ፡ እነሆ ንኣዳም ኣድኂንዎ እዩ እሞ።

ፈያታይ ከኣ ነቲ መልኣኽ መለሰሉ፦ “ንሲኦል ክብዝብዛ፡ ነቶም ኣብኡ ተማሪኾም ዘለዉ ነፍሳት ንኸውፅእ፡ ንጉሥ ናብ ሲኦል ወሪዱ ኣሎ” በሎ።…እነሆ ንጉሥ ንዝተኣስሩ ነፍሳት ምእንቲ ኸውፅእ ናብ ዓዲ ምዉታን ኣተወ፡ ኀፍረቱ ምእንቲ ክሽፍነሉ ንኣዳም ናይ ሕይወት ክዳን ስለ ዘዳለወሉ፡ ካብቲ ጸላኢ ዝሓነጾ ሞተ ነፍሲ ከድኅኖ ከደ። ንጉሥ ምዉታን ናብ ዘለዉዎ ኣተወ፡ ንሳቶም ከኣ ስለ ድኅነቶም ኣአመስገንዎ፡ ዘርኢ ንዝናብ ብተስፋ ከም ዝጽበዮ ንሳቶም ከኣ ብተስፋ ይጽበዩ ነይሮም እዮም እሞ። ኦ! መላእኽቲ፡ ናብ ሲኦል ወሪድኩም ኣብኡ ኸኣ ኃይልኹም ከተርእዩ ንኣኻትኩም ግቡእ እዩ። ኦ! ገብርኤል፡ ኣቐዲምካ ንቅድሰት ድንግል ማርያም ልደቱ ከም ዘበሠርካያ፡ ኣቐዲምካ ኣብኡውን ከም ሰብ ክድቅስ ክትርእዮ ይግብኣካ። ኦ! ጽኑዕን ኃያልን ዝኾንካ ሚካኤል፡ ንስኻ ድማ እቲ ጽኑዕ ዝኾነ ኃይልኻ ኣብ ልዕሊ ግብጻውያን ገሊጽካ፡ ንሕዝቢ እስራኤል ብማእከል ባሕሪ ከም ዘኅለፍካዮም፡ ናብ ጐይታኻ ቀልጢፍካ እቶ። ኣንቱም ናይ ብርሃን ሠራዊት ኵልኹም፡ ምስ ምስጋናን ማሕሌትን ጐይታኹም ንምቕባል ውረዱ። ኣብ ውሽጢ ሲኦል በይኑ ኪኸውን ኣይግባእን እዩ እሞ፡ ብኽብርን ብማሕሌትን ብምዝማርን ብምስጋናን ተቐበልዎ። ዋላ እኳ ኣብ መስቀል እንተ ኃደግኩምዎ፡ ኣብ ሲኦል ካብኡ ኪትርሕቁ ኣይግብኣኩምን እዩ።

እቲ መልኣኽ ከኣ ንፈያታይ ከምዚ ኢሉ መለሰ፦ “ኣንታ ድኹም! ሞት ኣብ ልዕሊኡ ሥልጣን የብሉን እሞ ስቕ በል። እንተ ዘይፈቅድስ ኣናቅጸ ሲኦል ኣይምኸኣሉዎን።ወሓጥ ዓሳዶ (ዓይነት ዑፍ እዩ) ንኣንበሳ ከድኅኖ ይኽእል እዩ፧ ድኹም ህበይሲ ነቲ ብርቱዕ ነብሪ ከመይ ኣቢሉ ኪነጥቆ ይኽእል፧ ምኽንያቱ እቲ ዓወት ናይ ጐይታ ጥራይ እዩ” በሎ። ተኣምራት ገይሩ ምዉታን ብሕይወት ዘተንሥኦም ገብርኤል ኣይኮነን። ጓል ኢያኢሮስ ምስ ሞተት ዘተንሥኣውን ሚካኤል ኣይኮነን። ሓደ ካብ መላእኽቲውን ንድኅነት ዓለም ኢሉ፡ ማይን ደምን ዘፍሰሰ የልቦን። ወዲ እግዚአብሔር ንኣዳምን ደቁን ምእንቲ ከድኅን ደኣ ካብ ቅድሰት ድንግል ብዝወሰዶ ሥጋ፡ በዚ ኵሉ መከራ ተዓገሠ። ኣብ ልዕሊኡ ናይ ሞት ፍርዲ ክሳዕ ዘምጽኡሉ፡ ንኣይሁድ ክሳዕ ዘለዓዕለሉ ወዲ እግዚአብሔር ዲያብሎስ ሸጦ። በቲ ኣቐዲሙ ዝተሳዕረ ሥጋ በዚ ሥጋ ንኽስዕሮ ደኣ ፈተወ እምበር፡ ብኃይሊ መለኮቱ ስዒሩዎ እንተ ዝኸውንሲ ኣይምተደነቐን። ኦ! ፈያታይ፡ ንኣኻ እነገረካ ኣሎኹ፡ እነሆ ናይ ንጉሥ ቃል ሰሚዕና ንኽብሩ ሰጊድና ንመልእኽቱውን ተኣዚዝና ኢና። ብድኅርዚ እቲ መልኣኽ ናይ ሓዊ መውግኢ ኣልዒሉ ንመዓጹ ገነት ወቕአ፡ ኣፍ ደገ ገነት ድማ ተኸፍተ። ንፈያታይ ድማ ናብዛ ኣቦኻ ኣዳም ዝወፅኣላ፡ ሀገረ ሕያዋን ዝኾነት ገነት ኣቲኻ ምስ መላእክቲ ደስ ይበልካ እቲ ናይ ክብሪ በዓል ቤት ዝኾነ ጐይታ ንኣኻ ንምድኃን ሰብ ኰይኑ እዩ እሞ” በሎ። ደሙ ብምፍሳስውን ንኣቦኡ ሥሙር መሥዋእቲ ኮነ፡ ኣብ መንጎናን መንጎኹምን ዝነበረ ናይ ጽልኢ ቀጽሪ ኣፍረሰ።

እቲ ፈያታዊ ድማ መለሲ ነቲ መልኣኽ ከምዚ በሎ፦ “በል ሕጂስ ናብ ቦታኻ ተመለስ ናብ ሥራሕካ እቶ፡ እነሆ ንሕና ናብ ሃገርና ተመሊስና፡ ኣብታ ናይ ቀደም ርስትና ንምንባር ድሉዋት ኴንና ኣሎና እሞ ኣብኡ ደስ ክብለና እዩ። ብሓቂዶ ኣርዑት ናይዚ ሰማያዊ ንጉሥ ንኽሳድካ ኣቚሲልዎ እዩ፧ ስለዚ ሓላዊ ገነት ኪትከውንዶ ትደሊ ኢኻ፧ ከምዚ ኣይኮነን፡ ብምኽንያት ኃጢኣትና ገነት ናትና መዕረፊት ኣይኮነትን ነይራ። ሕጂ ግና ገነት ካብ ምሕላው ንሱ ይኅሸካ እሞ ተነሊስካ ናብ ሥራሕካ እቶ። እቲ ንገነት ክትሕሉ ኣዚዙካ ዝነበረ ቃል፡ ነዚ ደብዳቤ እዚ ዝጸሓፈለይ ንሱ ምዃኑ ኣስተውዕል። ነዚ ሰማያዊ መንግሥቲ ዘውረሰና ጐይታኻ ቡሩኽ ምስጉን እዩ።

ምስጋና ክብሪ ገዛእነት ኃይሊ ንኣኡ ገንዘቡ ዝኾነ ሎምን ዘወትርን ንዘለዓለም ኣሜን። ብሓቂ ይኹን ይኹን። 

ድርሳን ዘቅዱስ ወብፁዕ አባ ያዕቆብ ኤጲስቆጶስ ዘስሩግ


No comments:

Post a Comment