bieteelyas.blogspot.com ቤተ ኤልያስ

Thursday 22 February 2018

ከይፍረደኩም ኣይትፍረዱ ማቴ 7፡1-5 ካልኣይ ክፋል



 ሓደ ባሕታዊ “ካባይ’ሲ ከልቢ ይኃይሽ፡ ምኽንያቱ ከልቢ ኣብ ልዕሊ ካልእ ኣይፈርድን እዩ ከምውን ንጐይታኡ ይፈቱ እዩ” በለ።

 ኣብ ኣንጾክያ ዝነብር ሓደ ኣረጋዊ፡ ሰብ ኃጢኣት ኪሠርሕ እንተ ርእዩ ኣዝዩ ዝሓርቕን ዝበሳጮን ረድእ (ተሓጋጋዚ) ነበሮ። እቲ ኣረጋዊ ግና ከምዚ እናበለ ይመኽሮን ይግሥጾን ነበረ። “ነፍስኻ ብዘጥፍእ ኣብ ከቢድ ፍርዲን ጥፍኣትን ከም ዘለኻ ብሓቂ እነግረካ ኣለኹ። ናይ ሰብ ሓቀኛ ግብሩን መንነቱን ብዘይካኡ ካልእ ማንም ዝፈልጥ የለን። ኣብ ቅድሚ ሰባት ብዙኅ ኃጢአት ዝሠርሑ ብኅቡእ ንስሓ ኣትዮም ናብ እግዚአብሔር ተመሊሶም ዝተቐበሎም ብዙኃት ስለ ዘለዉ። ንሕና ንኃጢኣቶም ኢና ርኢናዮ፡ ጽቡቕ ሥርሖምን ሓቀኛ መንነቶምን ዝርእዮን ዝፈልጦን ግና እግዚአብሔር ጥራይ እዩ። ዘመኖም ብኃጢኣት የኅሊፎም ናብ ሞት ምስ ተቓረቡ ንስሓ ኣትዮም ዝደኃኑ ብዙኃት ኣለዉ ብናይ ቅዱሳን ጸሎት ዝደኃኑ ኃጥኣንውን ኣለዉ። ስለዚ ማንም ሰብ ንዝዀነ ሰብ ዋላ እኳ ኃጢኣት ኪሠርሕ ብዓይኑ እንተ ረኣዮ ክፈርድ ኣይግባእን። ፈራዲ ሓደ ወልደ እግዚአብሔር ጥራይ እዩ። ዝፈርድ ሰብ ግና ነቲ ፈራዲ ዝኾነ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ምቅዋሙ እዩ” በለ።

ነብስኻ ምንቃፍን ብኃጢኣትካ ምእማንን

 ሓደ ኣረጋዊ ከምዚ በለ “ኣብ ዝኾነ ዓይነት ፈተና ንኻልኦት ኣይትውቀስ፡ እንተ ኾነ ግና እዚ ዅሉ ዝመጸ ብናተይ ኃጢአት እዩ በል”።

 ሓደ ኣቦ “ካብ ዘይበደለ እሞ ጻድቕ እየ ዝብል ሰብሲ በዲሉ ኃጢአተኛ ምዃኑ ዝኣምን ሰብ ይኃይሽ” በለ።

 ኣባ ዮሐንስ ሓፂር ከምዚ በለ “ነቲ ቀሊል ሸኸም ንጎኒ ደርቢናዮ፡ እዚ ማለት ነብስኻ ምውቃስ ማለተይ እየ፡ ኣብ ርእስና ድማ ከቢድ ሸኸም ጽዒንና፡ እዚ ድማ ነብስኻ ምክልኻልን ምጽዳቕን እዩ”።

 ሓደ ዝበቕዐ ቅዱስ ሰብ ካልእ ሰብ ኃጢኣት ኪሠርሕ ኣብ ዝረኣየሉ ጊዜ “ንሱ ሎሚ ወደቐ ሎሚ ድማ ናተይ ተራ እዩ” ብምባል ኣምሪሩ በኸየ።

 ሓደ መነኵሴ ብተደጋጋሚ ዝነቕፎን ዘሕርቖን ሰብ ምስ ዝረክብ ብተደጋጋሚ ናብዚ ሰብ ይኸይድ ከም ዝነበረ ተነግረ። ንሱ “ከምዚኦም ዓይነት ነቐፍቲ ምንጪ ናይ ክብርን በረኸትን እዮም፡ ዘመስግኑ ሰባት ግና ንነፍሲ ዘታልሉን ዝህውኹን እዮም፡ ብፁዕ ኢሉ ዝጽወዓካ ሰብ የታልለካ ምህላዉ ፍለጥ ተባሂሉ ስለ ዝተጻሕፈ” ይብል ነበረ።
 ኣኅዋት ብዛዕባ ሓደ መነኮስ ንኣባ እንጦንስ ኣመስገንሉ። እቲ መነኮስ ናብ ኣባ እንጦንስ ክርእዮ ምስ መጸ፡ ኣባ እንጦንስ እቲ መነኮስ ጸርፍን ነቐፌታን ከመይ ከም ዝቕበል ክፍትኖ ደለየ። ኮይኑ ግና ምንም ከም ዘይዕገሥ ምስ ረኣዮ “ንስኻ ብደጊኡ ወቂቡን ኣጊጹን ጸቢቚን ከም ዝተሠርሐ እሞ ብውሽጡ ግና ሰረቕቲ ዝበርበርዎ ጥፉእ ከተማ ኢኻ” በሎ።

 “ኣብ ጸሎት ብዙኅ ዘይነቅሕ ሓደ መነኮስ ነበረ። ክመውት ኣብ ዝቐረበሉ ጊዜ ሕጕስ ኮይኑ ካልኦት ኣበው መነኮሳት ረኣይዎ። ናይ ሓጐሱ ምኽንያት ምስ ሓተትዎ ግና “ኣብ ሕይወተይ ኣብ ልዕሊ ማንም ኣይፈረድኩን፡ ኣይትፍረድ ከይፍረደካ ዝብል ቃልካ ሓልየ ኣለኹ” ኢለ ንእግዚአብሔር ስለ ዝነገርኩዎ እየ በሎም።

 ቅዱስ እንጦንስ ክብርን “ጸርፍን ውርደትን ካብ ምሽካም ንላዕሊ ክብሪ ምሽካም ኣዝዩ ኣሸጋሪ እዩ”

 ቅዱስ ኤፍሬም ጌጋ ሰባት ኣይትድለ ኃጢኣት ፈታዊኻ ኣይትግለጽ ምኽንያቱ ንስኻ፡ ኣብ ልዕሊ ፍጡራን ፈራዲ ኣይኮንካን። ጽድቂ እንተ ደሊኻ ገዛእ ርእስኻ ገሥጽ፡ ፈራዲ ኃጢኣትካ ተነሳሒ በደላትካ ኩን። ጕድኣት ምእንቲ ከይረኽበካ ክፉእ ግብሪ ካልኦት ሰባት ብተንኮል ኣይትመርምር። መብኮሪ ሥራሕ ስለ ዝኾነ ነዊኅን ከንቱን ዘረባ ኣይተፍቅር። ብዛዕባ ጽድቂ እኳ እንተ ኾነ ብዙኅ ወረ ጽቡቕ ኣይኮነን። ንርእስኻ ከይትጠፍእ ንዝበደለ ሰብ ኣይትውቀስ። ኃጢኣቱ ንዝናዘዝ ሰብ ሓግዞ፡ ምኸሮ ወዲቑ ኪትንሥእ ንዝደሊ ሰብ ኣተባቢዕካ ብእግዚአብሔር ጽኑዕ ተስፋ ከም ዝኅዝ ግበሮ። ዋዛ ፈዛዛ ተፍቅር እንተ ዄይንካ ከም ሰይጣን ኴንካ ኣለኻ፡ ኣሰልካዪ ዘረባታት ተፍቅር  እንተዄንካ ንዲያብሎስ ድግስ ተዳልወሉ ኣለኻ። ኣብ ልዕሊ ሓውኻ እንተተጻዊትካ ኸኣ ኣፍ ሰይጣን ኮይንካ ኣለኻ፡ ጌጋታትን ድኻማትን እተንጀባርር ኣዕናዊ ብዝኾነ ጸለመ ስም፡ እትሕጐስ እንተዄንካ ሰይጣን ብፍጥረቱ የለን ማለት እዩ። ምኽንያቱ ንስኻ ቦትኡ መንዚዕካ ኂዝካዮ ኣለኻ” /ዘካ 3፡1 ሮሜ 8፡31-34 ራኢ 12 ኢዮ 1/። “ብኣጋጣሚ ሓደ ሰብ ክላገጽ እንተ ሰማዕካዮ ብትእምርተ መስቀል ገዛእ ርእስኻ ኣማዕትብ፡ ቀልጢፍካ ድማ ካብኡ ህደም፡ ምኽንያቱ ሰይጣን ኣብ ዘዕርፈሉ ቦታ ክርስቶስ ብዝኾነ ጥበብ ኣይርከብን እዩ። ንኃው ዝንዕቕን ኣብ ልዕሊ ኃው ዝላገጽን ሰብ ሰፊሕ ውሻጠ ሰይጣን እዩ። ብሓጺሩ ልቢ ተላጋጺ ሰብ ቤተ መንግሥቲ ዲያብሎስ እዩ። ሰይጣን ኣብዚ ሰብ’ዚ ዝኾነ ነገር ክውስኽ ኣይደልን እዩ። ሰይጣን ተባሂልካ ከይትጽዋዕ ብውርደት ሰባት ኣይትተሐጐስ ንሱ ኣብ ዘይብሉ ሰዓት ብዛዕባ ድኻም ኃውኻ ኣብ ትዛረበሉ ጊዜ መልሓስካ ንሙዚቃ ዲያብሎስ በገና ትሃርም ኣላ። ኃጢኣት እትፍጽም እንተ ዄንካ  ኅቡኣት ጣኦታት ተምልኽ ኣለኻ፡ ኣበሳ እንተ ኣፍቂርካ ድማ ብነፍስኻ ንኣጋንንቲ ተገልግል ኣለኻ” ይብል።

  ካህናት ምፍራድ
 ሓደ ጠቢብ ዝኾነ ኣረጋዊ ነበረ። ደቂ እቲ ዓዲ ናብቲ ኤጲስ ቆጶስ ከይዶም “እዚ ካህን ሰባት እና ኣጉሃየ ስለ ዘሎ ይሰጎጎልና” ክብሉ ሓተትዎ። እቲ ኤጲስ ቆጶስ “ብምንታይ ምኽንያት እዩ?” በሎም። ንሳቶም ድማ ሰዓት 9 ቅዳሴ ዝኣትወሉ ጊዜ ኣሎ ፍርቂ መዓልቲ ዝቕድሰሉ ጊዜውን ኣሎ ሰንበታት ኣይሕሉን ሕጊ ቤተ ክርስቲያን የፍርስ” በልዎ። እቲ ኤጲስ ቆጶስ ድማ ንበይኑ ወሲዱ “ንምንታይ ከምዚ ትገብር ንምንታይ’ከ ሥርዓት ቤተ ክርስቲያን ተፍርስ?” በሎ። እቲ ኣረጋዊ ኣቦ ድማ “ኣቦይ ዝገብሮ ኣይፈልጥን እየ’ሞ ይቕሬታ ግበሩለይ፡ ንግሆ ሰንበት ኣገልግሎት ድኅሪ ምፍጻሙ መንፈስ ቅዱስ ኣብ ልዕሊ’ቲ መሥዋዕቲ  ክሳብ ዝረአ ኣብ ጥቓ ታቦት ኮፍ ኢለ ይጽበ። ሽዑ ብፍርሃትን ብራዕድን ኮይነ ቅደሴይ ይፍጽም” በሎ። እቲ ኤጲስ ቆጶስ እዚ ምስ ሰምዐ ብዙኅ ተደነቐ ነቶም ሕዝቢ ድማ “ብሰላም ኪዱ ኢሉ ኣሰናበቶም” ነዚ ቅዱስ ኣረጋዊ ካልእ ኣረጋዊ ኣቦ ሠለስተ ናይ ሓዊ ፍሓም ኣብ ጨርቂ ቆጺሩ ለኣኸሉ። ናብቲ ኣረጋዊ ካህን ድማ እቲ ሓዊ ከይጠፍአ እቲ ጨርቂ ከይተቓጸለ በጽሐ። ንሱ ድማ ማይ ብጨርቂ ቆጺሩ ላኣኸሉ። ኣብ ማእከሎም ዝነበረ ርሕቀት 25 ምዕራፍ ዝኣክል ነበረ እንተዀነ ግን ማይ ከይፈሰሰ በጽሐ እግዚአብሔር ድማ ኣመስገነ።
“ኣብ ሓደ ቤተ ክርስቲያን ዘገልግሉ ዝነበሩ ካህን ከምቲ ኵሉ ጊዜ ዝገብርዎ ቅዱስ ቊርባን ከቐብልዎ ናብ ሓደ ባሕታዊ ከዱ። እንተ ኾነ ግና ካልእ ሰብ ኣቐዲሙ ናብቶም ባሕታዊ ብምኻድ ብዛዕባ እቶም ዘቚርብዎ ካህን ኃጢኣት የዕሊልዎም ስለ ዝነበረ፡ እቶም ካህን ቅዱስ ቊርባን ከቐብልዎ ኣብ ዝመጽእሉ ጊዜ በቲ ዝሰምዖ ወረ ተተንኪፉ ዝጸንሐ ባሕታዊ እቲ ካህን ናብ በዓቱ ክኣቱ ኣይፈቐደሉን። በዚ ድማ እቲ ካህን ተመልሰ። ብድኅሪ እዚ ናብቲ ባሕታዊ “ሰባት ናይ ፈራድነት ሥልጣነይ መንዚዖም ወሲዶምለይ” ዝብል ድምፂ መጸ። እቲ ባሕታዊ ተመስጦ ብዝመስል ኵነታት ኮይኑ ኣብ ውሽጢ ሓደ ናይ ወርቂ ጕድጓድ መቕድሒ ማይን ከምኡ ድማ ዝሰሓበሉ ገመድን ኩሉ ናይ ወርቂ ኮይኑ ኣብዚ ኣዝዩ ጽሩይ ዝኾነ ማይ ረኣየ። ካብቲ ናይ ወርቂ ጕድጓድ ብናይ ወርቂ መቕድሒ ዝተቐድሐ ማይ ሓደ ቆሳል ሰብ ሰስሒቡ እንዳ ኣውጽአ ከፍስሶ ረኣየ። ንሱ ውን ካብቲ ማይ ክሰቲ ኣዝዩ በሃገ። እንተ ኾነ ግና ነቲ ማይ ስሒቡ ዘውጽኦ ሰብ ቆሳል ብምዃኑ ተጸየፈ። ዳግማይ ከምዚ ዝብል ድምፂ መጽኣሉ “ንምንታይ ኢኻ ካብቲ ማይ ዘይትሰትዮ?” ካብቲ ጕድጓድ  ዘውፅኦ ሰብ ቆማጥ ብምዃኑ እንታይ ሽግር ኣለዎ? እቲ ጕድጓድን መቕድሕን መስሓቢ ገመድን ኵሉ ወርቂ እዩ” ብድኅርዚ ናብ ልቡ ተመሊሱ ናይዚ ራእይ ትርጕም ተረዲኡ ነቲ ካህን ልኢኹ ከም ቀደሙ ቅዱስ ቊርባን ካብኡ እናተቐበለ ክነብር ጀመረ።

  ሓደ ወርቂ ንምውሳድ ክብል ነፍሲ ዝቐተለ ካህን ዝረኣየ ምእመን ድማ ኣነ ብኢድ ናይዚ ካህን እዚ ሥጋን ደምን ናይ ጐይታ ኣይቅበልን እየ፡ ቤተ እግዚኣብሔርውን ኣይከይድን እየ ኢሉ ተኸልከለ። መልኣኽ እግዚኣብሔር ተገሊጹ ግና ሓደ እትርእዮ ነገር ኣሎ እሞ ቤተ እግዚአብሔር ኪድ በሎ። በዚ ድማ ከደ። ቤተ እግዚኣብሔር ክሳብ ዝበጽሕ ሰይጣን ኣብ ርእሲ እቲ ኃጢኣተኛ ካህን ኮይኑ ብእሳት ልጓም ለጒሙ ብናይ እሳት ሓለንጊ እናገረፈ ክወስዶ ይጸንሕ’ሞ ኣብ ቀጽሪ ቤተ ክርስቲያን ምስ በጽሐ ግና ይገድፎ፡ ቀዲሱ ምስ ወድአ ድማ ካብ ቀጽሪ ቤተ ክርስቲያን ተቐቢሉ ከምኡ ብእሳት ሓለንጊ እናገረፈ ክወስዶ ርእዩ ለካስ ቅዱስ ጳውሎስ “እስመ ኵሎ ጾሮ ይጸውር” ገላ 6፤5 ዝበሎ ነዚ እዩ ብምባል ከም ቀደሙ ቤተ እግዚኣብሔር ክመላለስን በቲ ኃጢኣተኛ ካህን ክቖርብን ጀመረ።


ከይፍረደኩም ኣይትፍረዱ ማቴ 7፡1-5


No comments:

Post a Comment