bieteelyas.blogspot.com ቤተ ኤልያስ

Wednesday 21 February 2018

ከይፍረደኩም ኣይትፍረዱ ማቴ 7፡1-5


 ዘለናዮ ዘመን ናይ ምፍርራድን ናይ ምርጋምን ዘመን ዝተቐየረ ይመስል። ኵሉ ኣብ ርእሲ ኃዉን ኣቡኡን ክፈርድ ይውዕል። መንነቱን ኣብ ነፍሲ ወከፍ ደቒቕ ዝገብሮ ኃጢአትን እንተ ዝዝክር ግና፡ ይትረፍዶ ንኻልኦት ሰባት ክፈርድሲ ብሰንኪ ኃጢኣቱ ቅንዕ ኢሉ ገጽ ሰባት ክርኢውን ዝግብኦ ኣይኮነን። ሕጂ ሒዝናዮ ዘለና ወቕቲ ድማ ናይ ጾም ወቕቲ እዩ። ኣብ ተራ መዓልቲ ንሰባት ምፍራድን ምጽላምን ምሕማይን ምስቲ ኣብ ጊዜ ጾም ዝግበር ሓሜትን ጸለመን ተነጻጺሩ ድማ ክብድ ዝበለ ቕጽዓት ዘስዕብ እዩ። መበል 117 ናይ እስክንድርያ ፓትርያርክ ዝነበሩ ፖፕ ሺኖዳ 3ይ  ነዚ ኣመልኪቶም  ኣብ ዝመሃሩሉ እዋን ከምዚ ኢሎም ነይሮም “ሓደ ሰብ ንዝኾነ ካብ ምጽራፍ ነቡኡን ነዲኡን ዝጸርፍ ዝኸፍአ ፍርዲ ኣለዎ። ዘሌ 20፡9 ንኻልኦት ዝሃርምን ነዲኡን ነብኡን ዝሃርምን ድማ ከምኡ ዘሌ 24፡19-20 እቲ ካብ ካልኦት መዓለታት ኣብ ግዜ ጾምን ቅዱስ ቊርባነን ኃጢኣት ዝገብር ድማ ዝያዳ ኃጢኣት ኣለዎ” /MANY YEARS WITH PEOPLE’S QUESTIONS PART III SPIRITUAL AND GENERAL QUESTIONS By H. H. POPE SHENOUDA III page 24/

 ስለዚ ነዚ ምኡዝን ጥዑምን ዝኾነ ክርስቲያናዊ ሕይወትና ኣብ ጊዜ ጾም ብመርዚ ሓሜትን ፍርዲ ካልኦት ሰባትን ከይንብክሎ ብትግሃት ኪንዓዪ ይግብኣና። ነዚ ኸ ብኸመይ ኢና ንገብሮ፧ ንዝብል ከኣ ናይ ኣቦና ናይ እግዚአብሔር ጽሩይ ቃል ደጋጊምና ብምስማዕን ብምንባብን እዩ እቲ መልሲ። ስለዚ ኣኅዋተይ በብዘለናዮ ጊዜና ካብ ኣብ ሓሜትን ኣብ ፍርዲ ካልኦት ሰባትን ኣብ ንባብ ቅድሳት መጻሕፍቲ ነኅልፎ፡ ሰባት ብዛዕባ ኃጢኣት ካልኦት ሰባት እዮም ዝነግሩና፡ ቅድሳት መጻሕፍቲ ግና ብዛዕባ ኃጢአትና እዮም ዝነግሩና። ሕሙም ብዛዕባ ሕማም ካልኦት ሰባት ንሓኪም እንተ ነገሮስ ከመይ ኢሉ ይፍወስ፧ እዚ ኸ እንታይ ጥቕሚ ይህቦ፧ እቲ ዝጠቅም እምበኣር ብዛዕባ ሕማምካ ንሓኪም ነጊርካ ምፍዋስ እዩ እሞ፡ ገለ ነዚ ዝሕግዝና ጽሑፋት ፍለኩም መሪጸ ኣሎኹ፡ ንቐደም በለ!

 ኣባ ቲስቶር ከምዚ በሉ “ንስኻ ንጹህ እንተ ኴንካ ኣብ ልዕሊ ኣመንዝራ ኣይትፍረድ፡ እንተዘይኮይኑ ግን ንስኻ ውን ከምኡ  በደለኛ መፍረሲ ሕጊ ክትከውን ኢኻ። ምኽንያቱ እቲ ኣይተመንዝር ዝበለ ኣይትፍረድ ውን ኢሉ እዩ”
ሓደ ኃው ንኣባ ጴሜን “ኃወይ ኃጢኣት ክሠርሕ እና ርኣኽዎ ብዛዕብኡ ከይተዛረብኩ ስቕ ምባለይ ትኽክል ድዩ? በሎ። ኣባ ጴሜን “ንሕና ናይ ኃውና ኃጢአት ምስ እንሽፍን እግዚአብሔር ድማ ናትና ኃጢአት ይሽፍነልና፡ ብዛዕባ ኃጢአት ኃውና ንኻልኦት ሰባት እንተ ነጊርና ግና እግዚአብሔር ኣባና ከምኡ ክገብር እዩ” በሎ።

ሓደ ኃው ስለ  ዝበደለ ካህን ካብ ቤተ ክርስቲያን ንኽወፅእ ኣዘዞ። ኣብዚ ጊዜ ኣባ ቤሳርዮ ተንሥአ’ሞ “ኣነ ውን ኃጢአተኛ እየ” ኢሉ ምስዚ ኃው ኃቢሩ ወፀ።

ሓደ ኃው ንኣባ ጴሜን “ናተይ ኃጢአት ንጎኒ ገዲፈ ናይ ኃወይ ኃጢኣት ብምምልካት ዝተጸመድኩ ንኽኸውን ሕልናይ ይፍትነኒ ኣሎ” ክብል ሓተቶ። ኣባ ጴሜን ድማ ብዛዕባ ቅዱስ ዲዮስቆሮስ ነዚ ዝስዕብ ነገር ነገሮ “ኣብ በዓቱ ኾይኑ ብዛዕባ ነብሱ ይበኪ ነበረ፡ ረድኡ ናብኡ መጺኡ ከምዚ ኣምሪሩ ክበኪ ምስ ረኣዮ ‘ኣባ ንምንታይ ኢኻ ትበኪ” በሎ። ንሱ ድማ ብኃጢአተይ እየ ዝበኪ ዘለኹ ምስ በሎ ረድኡ ተቐቢሉ ኣባ ንስኻ ሓንቲ ኃጢአት የብልካን’ በሎ። ኣባ ዲዮስቆሮስ ድማ “ከም ሓቂ እንተ ኾይኑ ኃጢአተይ ምርኣይ እንተ ዝከኣለኒ ኔሩ ስለ ኃጢአአተይ ንምብካይ ሠለስተ ወይ ኣርባዕተ ሰባት ውን ኣይምኣኸሉን ነይሮም” በሎ።

 ክልተ ኣኅዋት ኣብ ሓደ ገዳም ኃቢሮም እና ነበሩ ኣዝዮም ይፋተዉ ነበሩ። ካብ እግዚአብሔር ድማ ብዙኅ ጸጋ ተዋሂብዎም ነበሩ። ኣብ’ቲ ሓደ ዝሓደረ ጸጋ መንፈስ ቅዱስ ነቲ ሓደ ይረኣዮ ነበረ። ሓደ ካብ መዓልታት ሓደ ካብኣቶም ካብ ቦትኡ ወፂኡ እንከሎ ሓደ ሓው ዓርቢ መዓልቲ ብንግሆ ክበልዕ ስለ ዝረኣዮ “ኣንታ ዓርቢ መዓልቲ ብንግሆ ትበልዕ” በሎ። ንሱ ግና ኣይመለሰሉን። ንጽባሒቱ ከም ልማዱ ጸጋ መንፈስ ቅዱስ ኣብ ልዕሊኡ ክወርድ እንከሎ ንምርኣይ እቲ ኃዉ ናብዚ ኃው መጸ እንተ ኾነ ግና ኣይረኣየን። በዚ ገዜ ፈጺሙ ብምኅዛን “ኃወይ እንታይ ረኺቡካ? እቲ ኣቐዲሙ ኣባኻ ዝወርድ ዝነበረ ጸጋ እግዚአብሔር ሕጂ ኣባኻ ክወርድ ኣይረኣኹዎን” በሎ። ንሱ ድማ “ኣነስ ምንም ዝገበርኩዎ ኾነ ዝተዛረብኩዎ ክፉእ ነገር ትዝ ኣይብለንን እዩ” በሎ። ንሱ ድማ ንዝዀነ ሰብ ዋላ ሓንቲ ቃል እኳ ትኹን ኣይተዛረብካን? በሎ። ኣብ’ዚ ጊዜ እዚ ትዝ በሎ’ሞ “ትማሊ ሓደ ኃው ዓርቢ መዓልቲ ብንግሆ ክበልዕ ስለ ዝረኣኽዎ ስለ ምንታይ ዓርቢ መዓልቲ ብንግሆ ትበልዕ ስለ ዝበልክዎ እዚኣ እያ እታ ኃጢአት። ስለ’ዚ ምሳይ ኴንካ ክልተ ሰሙን ድኸም ንእግዚአብሔር ካብ ኃጢአተይ ይቕረ ክብለለይ ለምነለይ” በሎ። ክልቲኦም ድማ ከምኡ ገበሩ። ድኅሪ 2 ሰሙን ድማ እቲ ኃው ጸጋ እግዚአብሔር ተመሊስሉ ረኣየ። ክልቲኦም ድማ ነንሕድሕዶም ተጸናንዑ ደስ ድማ በሎም እግዚአብሔር ከኣ ኣመስገኑ። 

ከይፍረደኩም ኣይትፍረዱ ማቴ 7፡1-5
ካልኣይ ክፋል ይቕጽል……

No comments:

Post a Comment