bieteelyas.blogspot.com ቤተ ኤልያስ

Tuesday 22 August 2017

ተኣምረ ማርያም

ንሓደ ናይ ሕንፃ በዓል ሞያ ዝተገብረ ተኣምር

በስመአብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ፩ዱ አምላክ አሜን

ናይ ሕንፃ በዓል ሞያ ዝነበረ መንእሰይ ሓዳር እኳ እንተመሥረተ፡  ነቲ ውዑይ ዝኾነ ናይ ንእስነት ጊዜኡ ገና ከየስተማቐረ ኣብ ሓዳሩ ከቢድ መከራ ኣጋጠሞ። ዝፈትዋ ዝነበረ በዓልቲ ቤቱ ካብ መዓንጣኣ ንታሕቲ ስለ ዝተደነሰት፡ ንኽትድኅነሉ ብዙኅ ለፍዐን ጐየየን፡ ዘለዎ ዅሉ ድማ ናብ ሓካይም ኣውዓሎ። ይኹን እምበር ናይ ንእስነት ዕድሜኡ ኸይወድአ ነዚ ኣሸጋሪ ነገር ኪጻወርን ናይ ውላድ ህርፋኑ ክወፆ ከም ዘይክእልን ዝተረድአ መንእሰይ፡ ምስ በዓልቲ ቤቱ ብስምምዕ ፍትሕ ክፍጽሙ ደለየ። በዚ መሠረት ናይ ፍትሕ ስምምዕ ናብ (ማዛገጃ ቤት) ወሲዱ ንምጽዳቕ ኣብ ዝተዳለወሉ ዕለት፡ እቲ ጕዳይ ንኣበ ነፍሱ ከማኽሮ ከም ዝግባእ ብምእማን ናብ ኣበ ነፍሱ ብምኻድ እቲ ዝኾነ ኵሉ ዘርዚሩ ብምንጋር ፍትሕ ክፍጽም ምግዳዱ ገለጸሎም።

ኣበ ነፍሱ ነቲ ብቓል ኪዳን ዝተፈጸመ መርዓ ብሥጋዊ ሽግር ክፈትሖ ከም ዘይግባእን፡ ሥርዓተ ቤተ ክርስቲያንውን ከም ዘይፈቕዶን እቲ ኣብ ጊዜ ቃል ኪዳን ዝነበረ ኵነታት እናዘኻኸሩ ድኅሪ ምምካሮም፡ በቲ ዝተፈጥረ ነገር ኃዚኖም ክልቲኦም ናብ እመቤትና ንኸመልክቱን ናይ እግዚአብሔር ምድኃን ንኽግለጽ ኽጸልዩን ተሰማሚዖም ይፈላለዩ። እቲ ኻህን ድማ ናይ ክልቲኦም መንእሰያት ናይ ክርስትና ስም ጽሒፉ ኣብ መንበር ናይ እመቤትና ቤተክርስቲያን ብምቕማጥ ናይ እመቤትና ኣማላድነት ነዞም መንእሰያት ንኽበጽሕ ብንብዓት ጽኑዕ ምሕጽንታ ንሠለስተ መዓልቲ ኣቕርበ።

ድኅሪ ሠለስተ መዓልቲ እቲ መንእሰይ ኣብ ሕልሙ ሓደ ነገር ይርኢ። ካብቲ ዝሠርሓሉ ዝነበረ ደርቢ ወዲቑ ፓራላይዝ ክኸውን ሰበይቱ ድማ ነዚ ጕድኣት ምስ ረኣየት “ሠራሕተኛ ናይ ገዛ (house made) ኾይነ፡ ሠሪሐ ሰብኣየይ እናተኸናኸንኩ ከሐክሞ እየ” ብምባል በቲ ሓደጋ ሰንቢዶም ተኣኪቦም ንዝነበሩ ሰባት ክትዘራረብ እንከላ ይርኢ እሞ ካብ ሕልሙ ይበራበር። ምስተበራበረ እዚ ናይ እግዚአብሔር ድምፂ ከም ዝኾነ ብምእማን እግዚአብሔር ዝገለጸሉ ራእይ ንኣበ ነፍሱ ክነግሮም ይኸይድ። ኣበ ነፍሱ ውን ነቲ ታሪኽ ድኅሪ ምስምዖም ኢድ እግዚአብሔር ብናይ ድንግል ማርያም ኣማላድነት ሥራሕ ንምሥራሕ እናተንቀሳቐሰ ምዃኑ ብምግላጽ ሓሳብ ናይ ፍትሕ ንኽገድፍ ይመኽርዎ። ንሱውን እቲ ሕልሚ ናይ ጐይታ መልእኽቲ ምዃኑ ብምእማን ነቲ ናይ ፍትሕ ሓሳብ ሰሪዙ በዓልቲ ቤቱ ምሕረት ንኽትረክብ ዘወትር ክጽሊ ጀመረ።

ድኅሪ ቚሩብ ሳምንታት ጾመ ፍልሰታ ይኣቱ እሞ፡ መዓልቲ መዓልቲ ኣብ ቅድሚ እመቤትና እናነብዐ፡ ንበዓልቲ ቤቱ ምሕረትን ፈውስን ንኽህባ እናተማሕጸነ ናይ ሱባኤ ጊዜኡ ይፍጽም። ነሓሴ 16 (ኣብ ናይ እመቤትና ዕርገት) ነቲ በዓል ኣብ ቤተ ክርስቲያን እናኽበረ እንከሎ ሕፃናት ምስ ወለዶም ክጻወቱ ሰብ ሓዳር ጽምዲ ጽምዲ ኾይኖም ነቲ በዓል ከኽብሩ ብምዕዛብ ኣብ ናይ ኃዘን ስምዒት ብምእታው “እመቤተይ ናይ ንእስነት ዕድመይ ገና ብሓጐስ ዘይፈጸምኩሉ ንበዓልቲ ቓል ኪዳነይ ኣብ ዓራት ዘደቀሳ ሕማም እንታይ ዕለት ገጠመኒ? ንሳ ኣብ ዓራት ናይ ሕማም ስቓይ ኣነ ድማ ብደወይ ናይቲ ሽግር  ስቓይ ጐድኣና። ክሳብ መዓስ ከ ኢና በዚ ከምዚ ናብራና እንግፋዕ? ናይ ኣደነትኪ ኪዳን  ንዅሉ ናብ ጽቡቕ ይቐይረልና። ናይ ወድኺ ምሕረትውን ይብጽሓና” እናበለ ጸሎቱ ብንብዓት ድኅሪ ምብጽሑ እቲ በዓል ተወዲኡ ናብ ገዝኡ ተመልሰ።

እቲ መንእሰይ ናብ ገዛኡ ኣብ ዝተመልሰሉ ጊዜ ፍጹም ሓጐስን ዘጸናንዕ መንፈስን ንልቡ መሊእዎ ሰኸሙ ከም ዝቐለሉ ብእፎይታ ይጐዓዝ ነበረ። ናይ ገዛኡ ማዕጾ ከፊቱ እንተኣተወ ገዛኡ ብዘገርም ኵነታት ብኣንጸባራቒ ብርሃን ተመሊኡ ነበረ። በዓልቲ ቤቱ ናብ እትድቅሰሉ ክፍሊ እንተ ኣተወ ንሳ ግና ኣብኡ ኣይነበረትን። በቲ ኵነታት ሰንቢዱ ናብ ክሽነ ምስ ኣምርሐ በዓልቲ ቤቱ ብኽልተ እግራ ጸኒዓ ደው ኢላ፡ ብመሠረት ባህሎም ንናይ እመቤትና በዓል መግቢ ተዳሉ ነበረት። ብዝተፈጥረ ተኣምር ተሰናቢዱ እናጨደረ ንስኺ ብሓቂ እታ ካብ መዓንጣኣ ንታሕቲ ለሚሳ ዝነበረት በዓልቲ ቤተይ ዲኺ? ንምዃኑ እዚ ከመይ ኢሉ ክኸውን ከኣለ? ኢሉ ብምግራም ኣብ ክሳዳ ተጠምጢሙ እናበኸየ ሓተታ።

በዓልቲ ቤቱ እቲ ታሪኽ ከምዚ ብምባል ኣረድኣቶ “ንስኻ ናብ ቤተ ክርስቲያን ምስ ከድካ ኣብ ጐነይ  ናብ ዘሎ ናይ እመቤትና ሥዕሊ ኣተኵረ ብንብዓት “ኦ እመቤተይ ከምዚ ክኸውን ናይ ወድኺ ፍቓድ ኮይኑ ድዩ? ኣማላድነትኪ’ኸ ንኣይ ኣይበጽሓንን ኢዩ ማለት ድዩ? ኵሉ ሰብ ብዓልኪ ብሓጐስን ብጥዕናን ከኽብር ናተይ ዕድል ኣብ ዓራት ይኹን? ከምዚ ካብ ኮነስ በዓል ቤተይ ካብ ዝልክሞ እንተዝመውት እንታይ ኔርዎ” እናበልኩ ይበኪ ነበርኩ። ብድኅርዚ ዝደቀስኩሉ ክፍሊ ብዘገርም ብርሃን ተመልአ ኣንጸባራቒ ክዳን ዝለበሰት እመቤት ናባይ ብምምጻእ ብዘጸናንዕ ቃል “ተንሥኢ ጓለይ ደው በሊ” ብምባል ተዛረበትኒ። ኣነ ድማ ከመይ ጌረ? ደው ክብል ኣይክእልን እየ፡ ኣነ እኮ ልምስቲ እየ! ኣእጋረይ ጸኒዖም ደው ክብሉ ኣይክእሉን እዮም ኢለ መለስኩ። ኣጆኺ ጓለይ ኣነ ኣዴኺ ጸኒዕኪ ደው ምባል ከም ትኽእሊ ክገብረኪ መጺአ ኣለኹ በለትኒ።  ብድኅርዚ ብዘይግምቶም ክገልጾ ብዘይክእልን ኵነታት ብኽልተ እግረይ ጸኒዐ ክቐውም ዘኽእለኒ ሓይሊ ተዋሂብኒ ደው በልኩ። እመቤተይውን ከምዚ በለትኒ “ናይ በዓል ቤትኪ ፍቕርን እምነትን ዓቢይ እዩ ጐይታ ልመናኡ ሰሚዕዎ እዩ ኵሉ ጊዜ ብበረኸትን ብሓጐስን ከተጊጹ ኢኹም ብሩኻት ኵኑ” ኢላ ባሪኻትኒ ተሰወርት። ኢላ ናይ እመቤትና ድንቂ ምብጻሕ ብናይ ሓጐስ ንብዓት ብምስጋናን ዕልልታን ገለጸትሉ።

ሰብኣይን ሰበይትን በቲ ዝኾነ ዅሉ ንእግዚአብሔር ኣመስገኑ። ንዅሉ ፍጥረት ኣማላዲት ንዝኾነት ርኅርኅቲ ኣደ ንድንግል ማርያምውን ኣመስገኑ።
ናይ እመቤትና ዝፈጸመቶ ድኅነትን ተኣምርን መስከሩ ናይ ግብጺ ቤተ ክርስቲያን ናይዚ ተኣምር ሓቅነት ድኅሪ ምምርማር ንምእመናን ኽፈልጡ ብኅትመትን መራኸቢ ብዙኀንን ገለጸት። ልመናኣ ክብራ ናይ ወዳ ናይ ፈታዊኣ ምሕረት ምስ ኵልና ይኹን ኣሜን።

ጸሎት
ኦ እመቤተይ ነዚ ተኣምርኪ ንዘንበብኩን ንዝሰማዕኩን ንኣይ ንባርያኽን ፈታዊኽን ከምቲ ነቶም መንእሰያት ሰብ ሓዳር ዝገበርክዮ ድንቂ ነገር ንኣይ ንባርያኺ ግበርለይ። ናትኪ ንጽሕና ስለ ርኽሰተይ ናትኪ ምእዛዝ ንዓመጻነተይ ናትኪ ክብሪ ንምውራደይ መተካእታ ኾይኑ፡ ካብዚ ዘጨንቐኒ ዘሎ መከራይን ስቓይን ሽግረይን ቀልጢፍኪ ኣድኅንኒ።

ኃዘነይ ናብ ሓጐስ ስቓየይ ናብ ዕረፍቲ ግፍዐይ ናብ ናጽነት ቀይርለይ ንዘለኣለም ኣሜን!!!

No comments:

Post a Comment