bieteelyas.blogspot.com ቤተ ኤልያስ

Friday 25 August 2017

ኣንቲ ጓለይ እዚኣስ ዘማሪት ድያ ኣዝማሪት 11 ክፋል

2.1.1 ሥርዓተ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ብሉይ ኪዳን

1. ቤተ ክርስቲያን ምስ ተሠርሐ ብሜሮን ኪቕባእ ከም ዘለዎ (ዘፍ 28:18)
2. ንቤተ እግዚእብሔር ዕሽር ከተውፅእ ኸም ዝግባእ (ዘፍ 28፡20-22 14፡20)
3. ሰንበት ከመይ ጌርካ ብሥርዓት ከም ትኽበር (ዘጸ 16፡29 ዘጸ 20፡10 ግ።ሐ 1፡12 ዘጸ 34፡21 ነህ 13፡15-22)
4. ብስም ጻድቃንን ሰማዕታትን ቤተ ክርስቲያን ምሕናፅ ከም ዝግባእ።(ኢሳ 56፡4)
5. እስራኤላውያን ካብ ግብጺ ኽወፁ ኸለዉ ደም ኣብ ልዳቶም ኪለኽዩ ዝተኣዘዙ ብዘይ ከምኡ ከውፅኦም ዘይከኣለ ኮይኑ ኣይኮነን፡ እንታይ ደኣ ሥርዓት ንኽምህሮምን ምስኡ ዚተሓሓዝ ምሥጢር ኣብ ሓድሽ ኪዳን ኪፍጸም ምዃኑ ንምርዳእን እዩ።
6. 40 ዓመታት ኣብ ምድረ በዳ መና ብስፍሪ ከም ዝምገቡ ዝገበረውን በቒቕሎም ዘይኮነስ ብሥርዓት ምንባር ኪምህሮም ስለ ዝደለየ እዩ።
7. ንሙሴውን ብዘይካ እቲ ኣብ ሰማይ ዝረኣዮ ካልእ ብሓሳብ ገዛእ ርእሱ ከይሠርሕ ኣጠንቀቖ።(ዘጸ 25፡40 ዕብ 8፡5)

2.1.2 ሥርዓተ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ሓድሽ ኪዳን

ሥርዓት ብጐይታና
1. ሥርዓተ ጥምቀት ሰባት ናብ ካህን /ናብ ቤተ ክርስቲያን/ ከይዶም ኪጥምቑ ከም ዘለዎም፡ ናብ ዮሓንስ ከይዱ ተጠምቀ /ማቴ 3፡16-20/
2. ጐይታና ሥርዓተ ቊርባን ኣብ ቤት ኣልኣዛር መሥረተ ማቴ 26፡26
3. ሥርዓተ ጸሎትን ስግደትን ኣብ ጌተ ሰማኒ ማቴ 26፡36-40
4. ሥርዓተ ጾም ጸሎት ምጽዋት ማቴ 6

ሥርዓት ብሐዋርያት

ሓዋርያት ኣቦታትና ብዛዕባ ሥርዓት ኣስፊሖም ምሂሮምና እዮም። ቅዱስ ጳውሎስ ግናኸ ኲሉ ብሥርዓትን በጋባብን ይኹን” 1ቈረ.14:40  

“ብሥጋ እኳ ምሳኻትኩም እንተ ዘየሎኹ፡ ብመንፈስ ምሳኻትኩም እየ፡ ሥርዓትኩምን ጽንዓት እምነትኩም ብክርስቶስን እናርኤኹውን እሕጐስ አሎኹ” (ቆሎ 2፡5)
“ኣቱም ኣኅዋትና፡ ነቶም ብዘይ ሥርዓት ዝመላለሱ ግንሕዎም” 1ይ ተሰ 5፡14

“እምብኣርስ፡ ኣቱም ኣኅዋትና፡ ካብቲ በቲ ኻባና እተቐበሎ ምህሮ ዘይነብር፡ ብዘይ ብሥርዓት ዚመላለስ ዘበለ ኃው ክትፍለዩ፡ ብስም ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ንእዝዘኩም አሎና” 2ተሰ.3:6 ብዝብሉ ቃላት ብዛዕባ ሥርዓት ግቡእ ትምህርቲ ሂቡና እዩ።  ንሱ ባዕሉ ካበ ዚሠርዕም ሥርዓታትውን ቀጺልና ንመልከት፥

1. ብዛዕባ መርዓን ድንግልናን (1ይ ቆሮ 7)
2. ኣብ ማኅበር ኣብ ጊዜ ጉባኤ ከመይ ኪኸውን ከም ዘለዎ( 1ይ ቆሮ 14፡26-ፍጻሜ)
3. ብዛዕባ ኣዛዝን ተኣዛዝን (ኤፌ 6፡1-8)
4. ብዛዕባ ዲቁና (1ይ ጢሞ3፡1-11)
5. ብዛዕባ ሰብኣይን ሰበይትን 1ይ ጴጥ 3:1-7
6. ብዛዕባ ኣከዳድና (1ይ ጴጥ 3፡1-6)
7. ሰበኽቲ ወንጌል ዓስቢ ከም ዝግብኦም (ማቴ 10፡11 1ይ ቆሮ 9፡10)
8. ብዛዕባ ጉባኤ ሲኖዶስ ግ.ሐ 15፡6-29)

2.2 ናይ ሲኖዶስ (ናይ ቅዱሳን ኣቦታት ጉባኤያት) ውሳኔታት

ሲኖዶስ ማለት ናይ ገሪኽ ቃል ኮይኑ ኣኼባ ወይ ጉባኤ ማለት እዩ።
እዞም 8 ናይ ሓድሸ ኪዳን መጻሕፍቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ኣካላት እዮም። እዚኦም ድማ ቀንዲ ናይ ሥርዓተ ቤተ ክርስቲያን ምንጪ እዮም።

 ናይ ሓዋርያት ሲኖዶስ (ዓይን) ትእዛዝ ሲኖዶስ (ረስጠብ) ግጽው ሲኖዶስ (ረስጠጅ) ኣብጥሊስ ሲኖዶስ (ረስጣ ወይ ረስጥአ) ዲድስቅልያ (ዲድስ) ቀሌምንጦስ (ቀሌ) ጐይታና ድኅሪ ትንሣኤኡ ቅድሚ ዕርገቱ ንሓዋርያት ዝመሃሮም መጽሓፈ ኪዳን ቀዳማዊ መጽሓፈ ኪዳን ካልእ ወሲኽካ 8 መጻሕፍቲ እዮም። ብዙኅ ጊዜ ግና ሲኖዶስ እናተባህሉ ዝጽውዑ እቶም ቀዳሞት 4 እዮም።

ነዞም 8 መጻሕፍቲውን ኣብ 3 ኪንከፍሎም ንኽእል ኢና።

1. መጽሓፈ ዲድስቅልያ፡ ትእዛዝ፡ ግጽው፡ ኣብጥሊስ፥ ሥርዓተ ጽዮን፡ ሓዋርያት በብጊዜኡ ተኣኪቦም ዝወሰንዎም መጻሕፍቲ እዮም። ብዙኅ ጊዜ ሲኖዶስ ተባሂሎም ዚጽውዑ ድማ እዚኣቶም እዮም።
2. መጽሐፈ ኪዳን ቀዳማዊን ካልእን ጐይታ ድኅሪ ትንሣኤኡን ቅድሚ ዕርገቱን ንሓዋርያት ዝመሃሮም ትምህርቲ እዩ።
3. መጽሓፈ ቀሌሜንጦስ ኣብ ሮም ኤጲስቆጶስ ተሸይሙ ዝነበረ ናይ ቅዱስ ጴጥሮስ ወደ መዝሙር ዝነበረ ቀሌሜንጦስ ዝጸሓፎ እዩ።(ፊል 4፡3)

ካብዚ ቐጺልና ድማ ሓደ ብሓደ ንርኣዮም

1. ትእዛዝ፥ ማለት ካብ ሥራሕ ኣቐዲሙ ዝወሃብ ዝንገር ሕጊ ሥርዓት ወይ ግበር ኣይትግበር ዝብል ሕጊ ወይ ከኣ ደምቢ እዩ። ልዕሊ 72 ኣንቀጻት ኣለዎ። ምልክቱ ድማ “ረስጠብ” ዝብል እዩ። ገለ ካብ ትኅዝቶኡ ነዚ ዝስዕብ ይመስል፥

ማንም ተጠማቒ ካብ ዝተወገዙ ሰባት እንተተጠመቐ ክርስቲያን ኪኸውን ከም ዘይክእል (ረስጠብ)

ሓደስቲ ኣመንቲ ኪጥመቑ ከለዉ ክዳውንቶም ኣውፂኦም፡ ደቂ ኣንስትዮ ቁናኖአን ፈቲሐን ናይ ክሳውደን ናይ ኣእዛነን ናይ ኣጻብዕተን ናይ ኣእጋረን መጋየጺታት ኣውፂአን ኪጥመቓ ከም ዘለወን (ረስጠብ  ቀሌ )

ጥምቀት ብፈሳሲ ማይ ኪኸውን ከም ዘለዎ፡ ፈሳሲ ማይ እንተዘይ ተረኺቡ ድማ ማይ ኣብ ልዕሊ እቲ ዝጥመቕ ኪኸውን ከም ዘለዎ (ረስጠብ )

ኣወዳት ንኣዋልድ፡ ኣዋልድ ድማ ንኣወዳት ኣባሊጋነት ክኅዙ ከም ዘይክእሉ፡ (ረስጥብ ) 
ሕፃናትን ንኡሰ ክርስቲያንን ብሓንሳብ ኪጥመቑ እንተመጹ መጀመርታ ናይ 40ን ናይ 80ን ሕፃናት ቀጺሎም ድማ ንኡሰ ክርስቲያን ኪጥመቑ ከም ዘለዎም (ረስጠብ )

ብዘይካ ቀዳም ስዑር ቀዳምን ሰንበትን ምጻም ከም ዘይፍቀድ (ረስጠብ)

ኣብ ናይ ቤተ ክርስቲያን ናይ ጸሎት ጊዜ፡ ናይ ሊቀ ጳጳስ ስም ኪጽዋዕ ከም ዝግባእ (ረስጠብ) 
2. መጽሓፈ ግጽው፥ ሓዋርያት ንቀሌምንጦስ ዝሃብዎ 2ይ መጽሓፍ እዩ። ካብ ህልውና እግዚአብሔር ጀሚሩ ክሳብ ብዛዕባ ምሥጢረ ሥጋዌን ጐይታና ኣብ ኢየሩሳሌም ዝገበሮን ይነግረና። 57 ኣንቀጻት ድማ ኣለዉዎ። ምልክቱ ድማ ረስጠጅ ዝብል እዩ።

ዘይኣመኑ ሰባት፡ ንጥምቀት ዘይበጽሑ ኣረማውያን ወይ ንኡሰ ክርስቲያን ሥጋን ደምን ናይ ጐይታ ከይቅበሉ ይእዝዝ።

ሥጋኡን ደሙን ንምቕባል 18 ሰዓት ምጻም ከም ዝግባእ (ግጽው)

3. ኣብጥሊስ፥ ኣብጥሊስ ማለት ቀኖና ማለት እዩ። 46 ናይ ብሉይ 35 ናይ ሓድሽ ኪዳን ብድምር 81 ዝርዝር መጽሓፍ ቅዱስ ኂዙ ይርከብ። እዛ ናይ ቅዱሳን ሓዋርያት ሲኖዶስ ዝኾነት ኣብጥሊስ፡ ቀሌምንጦስ ብዛዕባ ጴጥሮስ መምህሩ ዝጸሓፋን ኣብጥሊስ ተባሂላ ትጽዋዕን 82 ኣንቀጽ ዘለዋ እያ። ምልክቱ ረስጠአ ወይ ረስጣ ዝብል እዩ። ገለ ካብ ትሕዝትኡ፥

ቀዳስያን ካህናት ሥጋኡን ደሙን ከይተቐበሉ ከቐብሉ ከም ዘይግብኦም

ምእመናን ምስቶም ብካህናት ተወጊዞም  ዝተፈለዩ ሰባት ኪዘራረቡ ከምዘይብሎም

ናብ ቤተ ክርስቲያን ዝኣተወ ዝተቐደሰን ንዋየ ቅድሳት መሊስካ ናብ ደገ ብምውፃእ ኣብ ሥጋዊ ኣገልግሎት ከተውዕሎ ከም ዘይግባእ።

ማንም ተጠማቒ ብሃይማኖት ካብ ዝተፈለዩ ሰባት (መናፍቓን) እንተተጠሚቑ ክርስቲያን ኪኸውን ከም ዘይክእል፡ ኣስራትን በኹራትን ከውፅእ ከም ዘይክእል። (ኣብጥሊስ ሲነዶስ ረስጣ )

ንመሥዋዕት ዝግባእ ስርናይ ኣብ’ ወርኀቱ ዝበጽሐ ዋግ ዘይወቕዖ እንክርዳድ ዘይብሉ ንጹሕ ስርናይ ኪኸውን ከም ዘለዎ 


4. ሥርዓተ ጽዮን፥ ናብ ዓለም ቅድሚ ምብታኖም ኣብ ጽርሓ ጽዮን ኮይኖም ዝደንገግዎ እዩ። 30 ቀኖናታት ኣለዎ። ምልክቱ ዓይን ዝብል እዩ።

ገጽካ ናብ ምብራቕ ኣቢልካ ከም ዝጽለ (ኣን)
ብዛዕባ ልደትን ጥምቀትን (ኣን)
ብዛዕባ ዓቢይ ጾም (ኣን)

5. መጽሓፈ ኪዳን ቀዳማዊ፥ ኪዳን ማለት ውዕል ስምምዕ ማለት እዩ። እዚ ድማ ቅድሚ ዕርገቱ ጐይታ ዝመሃሮም ንዝሓተትዎ ሕቶታት ዝመለሰሎምን ኮይኑ ድኅሪ ዕርገቱ ሓዋርያት ጽሒፎሞ። ዮሓንስን ጴጥሮስን ማቴዎስን ጐይታና እናኣጽሓፎም ጽሒፎሞ። 59 ኣንቀጽ ኣለዎ። ብዛዕባ ሥርዓተ ጸሎትን ሥርዓተ ቅዳሴን ድማ ኂዙ ይርከብ። ኪዳን ዘመንፈቀ ሌሊት፡ ዘነግህ፡ ዘሰርክ

ደቂ ኣንስትዮ ጸጉረን ኪሽፈና ከም ዘለወን(ኣን)

ኣብ በዓለ 50 ጾምን ስግደትን ከም ዘይግባእ (ኣን)

ብዛዕባ ሥርዓተ ቅዳሴ (ኣን)


6. መጽሓፈ ኪዳን ካልእ፥ ብኣንቀጽ ዝተኸፍለ ኣይኮነን። ብዛዕባ ሽመት ካህናትን ኣገልግሎተን፡ ብዛዕባ ጥምቀት ንኡሰ ክርስቲያን፡ ብዛዕባ፡ ቊርባን፡ ብዛዕባ ጥጦስን ሓሳዊ መሲሕን ብምልዓል ብዛዕባ ምጽኣት ክርስቶስ ይነግረና።
ሓሳዊ መሲሕ ኣቡኡ ነገደ ኤሳው ኣዲኡ ድማ ነገደ ዳን ምዃኑ ይነግረና።
7. ዲድስቅልያ፥ ትምህርቲ ማለት እዩ 43 ኣንቀጽ ኣለዎ። ምልክቱ ዲድስ ዝብል እዩ።
ክርስቲያን ኪደርፉና ናብ ናይ ደርፊ ቦታ ኪኸዱን ከም ዘይብሎም (ኣን)

ደቂ ኣንስትዮ ከጠምቓ ከም ዘይግብአን (ኣን)

ንዝሞቱ ሰባት ኪንጽሊ ከም ዝግባእ (ኣን)

8. ቀሌምንጦስ፥ ኣብ 8 ዓበይቲ ክፍልታት ይኽፈል። ምልክቱ ጴጥ ወይ ቄለ ይብል።

ብዛዕባ ኣፈጣጥራ ዓለም (ክፍ)
ብዛዕባ ዳግም ምጽኣት (ክፍ)
ብዛዕባ ምሳሌነት በትሪ ሙሴን መስቀል ክርስቶስን (ኣን)

No comments:

Post a Comment