bieteelyas.blogspot.com ቤተ ኤልያስ

Wednesday 16 August 2017

ኣንቲ ጓለይ እዚኣስ ዘማሪት ድያ ዋላስ ኣዝማሪት 10ይ ክፋል




ኣቦና ነቲ ዛዳለዉዎ ወረቓቕቲ ምስ ዓደሉና፡ ተቐቢለ ብቕልጡፍ ከንብቦ ጀመርኩ። እቲ ጽሑፍ ከምዚ እናበለ እዩ ዝጅምር፦

Ø  1 ሥርዓተ ቤተ ክርስቲያን

Ø  1.1 ትርጉም ሥርዓተ ቤተ ክርስቲያን

ሥርዓት “ሰርዐ” ሰርዐ ካብ ዝብል ናይ ግእዝ ግሲ ዝወፀ ስም እዩ። ትርጕሙ ድማ ደምቢ ኣሠራርሓ መርሐ ግብር ማለት እዩ። ናይ ቤተ ክርስቲያን ኣሠራርሓ፡ መርሐ ግብር፡ ደምቢ ማለት እዩ።
 ቤተ ክርስቲያንና ብዶግማን ቀኖናን ትውፊትን በዞም ሠለስተ መምርሒታት እናተቐለሰት እያ ትኸይድ።

Ø  ዶግማ ናይ ግሪኽ ቃል ኮይኑ ትርጕሙ ድማ እምነት ማለት እዩ። እምነት ካብ እግዚአብሔር ንቕበሎ እዩ። ዶግማ ከም ዘለዎ ተቐቢልካ ኣሚንካ ትነብረሉን ናብ ዝመጽእ ወለዶ ድማ ከም ዝተቐበልካዮ ጌርካ ተመኃላልፎን እምበር፡ ዶግማ ኪቕነሶ ወይ ኪውሰኾ ኣይግባእን። ከመኃይሾ ወይ ክቕይሮ እየ ኢሉ ዝብገስ ሰብ ድማ ብቕጥታ ናብ ክሕደትን ጥፍኣትን እዩ ዘምርሕ።

 ንኣብነት፥ ምሥጢረ ሥላሴ፡ “ሥላሴ ሓደ ይኾኑ ሠለስተ ይኾኑ” ዝብል እምነት ከም ዘለዎ ኣሚንካ ደኣ ትቕበሎ እምበር፡ ካብዚ ኪትውስኸሉ ኮነ ከተጕድለሉ ኣይትኽእልን። ብሓፈሻ ኃሙሽቲኦም ኣእማደ ምሥጢራት ዶግማ እዮም። ኣፈጻጽማኦም ግና ሥርዓት እዩ። ጸሎትን ጾምን ዶግማ እዮም፡ ኣፈጻጽማኦም ማለት መዓስ ኪንጽሊ ወይ ኪንጸውም ይግብኣና? ብኸመይ ክንጽሊ ወይ ኪንጸውም ይግብኣና ዚነግረና ግና ሥርዓተ ቤተ ክርስቲያን እዩ።

Ø  ቀኖና ናይ ግሪኽ ቃል ኮይኑ ትርጕሙ ድማ ሥርዓት ማለት እዩ። ሥርዓት ብቕዱስ ሲኖዶስ ኪመኃየሽ ኪቕየር ኪውሰኾ ወይ ኪጐድሎ ይኽእል። ቅዱስ ሲኖዶስ እንተዘይኮይኑ ግና፡ ማንም ካህን ወይ ጳጳስ ብውልቁ ንሥርዓት ከመኃይሽ ሥልጣን የብሉን። ነዚ ኣመልኪቱ ፍትሓ ነገስት ከምዚ ይብለና፥

Ø  ወናሁ ተሠርዐ በተፍጻሜተ ዝንቱ መጽሐፍ ዘይደሉ ለሊቃውንት፡ ከመ ይወስኩ ዲቤሁ ወያንትጉ እምኔሁ፡ ወአልቦ ዘኢኮነ ሎሙ ብዉሐ ውስተ ዝንቱ” ትርጕሙ “እነሆ ኣብ’ዚ መሓፍ መወዳእታ ንሊቃውንት ዝግባእ ነገር ተጻሒፉ ኣሎ። ኣብኡ ንኽውስኹን ካብኡ ኪቕንሱን ካብዚ ዘይተፈቕደሎም ነገር የልቦን” ማለት እዩ።

Ø  ትእዛዝ ሲነዶስ ድማ፦ “ንሕና ዘጕደልናዮ እንተሎ መንፈስ ቅዱስ ኣብ ኵላትና ስለ ዝሓደረ ንስኻትኩም ከምዝግባእ ጌርኩም ፍረዱ” ይብል ደጊሙውን “ካባና ዝጐደለ እንተሎ ኤጲስቆጶስ ይፈጽም” ይብል ኣብ ካልእ አንቀጽ ከኣ፦ “ዝተፈተኹም ኣሕዋትና ቤተ ክርስቲያን ብዝግባእ ናብ ናይ ጸጥታ ወደብ ምእንቲ ኺትምራሕ ካባና ዝተረፈ ማንም ሥርዓት እንተሎ እግዚአብሔር ንዝግብኦ ሰብ ይግለጸሉ” ይብል

ስለዚ፦
Ø  ምሥጢረ ጥምቀት ዶግማ እዩ ኣፈጻጽምኡ ግና ሥርዓት እዩ
Ø  ምሥጢረ ቚርባን ዶግማ እዩ ኣፈጻጽማኡ ግና ሥርዓት እዩ
Ø  ጾም ዶግማ እዩ ሰዓታት ናይ ጾም ግና ቀኖና እዩ
Ø  ቅዳሴ ዶግማ እዩ ሰዓታት ቅዳሴ ግና ቀኖና እዩ
Ø  ጸሎት ዶግማ እዩ ሰዓታት ናይ ጸሎት ድማ ቀኖና እዩ

Ø  ትውፊት ኣወፈየ ኣቀበለ ኣወረሰ ካብ ዝብል ናይ ግእዝ ግሲ ዝወፀ ኾይኑ ትርጕሙ ውርሲ ቅብብል ማለት እዩ።

Ø 1. 2 ትርጉም ቤተ ክርስቲያን

ኣርእስቲ ትምህርትና “ሥርዓተ ቤተ ክርስቲያን” ዝብል እዩ። ኣቐዲምና ናይዚ “ሥርዓት” ዝብል ቃል ትርጕም ርኢና ኣለና። ሕጂ ድማ ትርጕም ናይዚ ቤተ ክርስቲያን ዝብል ቃል ክንርኢ ኢና። ቤተ ክርስቲያን ማለት ቃል ብቓሉ ናይ ክርስቲያን ቤት ማለት እዩ። እዚ ቓል እዚ ብኻልእ ኣጸዋውዓውን ቤተ መቕደስ ዝብል ቃል ተዋሂብዎ ንጥቀመሉ ኢና። ቤተ ክርስቲያን ወይ ቤተ መቕደስ ዝብል ቃል ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ንብዙኅ ነገራት ተዋሂቢ ኢና ንረኽቦ። ንሳቶም ድማ፥ ንሕንፃ ቤተ መቐድስ፡ ንማኅበር ምእመናን፡ ንሰብነት ናይ ምእመን፡ ንጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ንቅድስት ድንግል ማርያምን ንቅዱስ መስቀልን ኪንጠቅስ ንኽእል። ካብዚ ቐጺልና ነዚ ቤተ ክርስቲያን ዝብል ቃል ብሠለስተ ትርጕም ክንርእዮ ኢና።

1.2.1 ሕንፃ ቤተ ክርስቲያን፡

 እዚ ክርስቲያን ተኣኪቦም ጸሎት ዘብጽሕሉ ምሥጢራተ ቤተ ክርስቲያን ዝፍጸመሉን “ቤት” ቤተ ክርስቲያን ይበሃል (1ይ ነገ 9፡3 ኢሳ 56፡7 ኤር 7፡10-11 ማቴ 21፡13 ማር 11፡17 ሉቃ 19፡36)

 ኣብ መጀመርታ ዚነበሩ ክርስቲያን ኣብ ምኵራብ ናይ ኣይሁድን ኣብ ናይ ውልቂ ናይ ክርስቲያን ገዛውቲ እናተኣከቡን ይጽልዩን ቊርባን ይቕበሉን ነበሩ (ግብ.ሐዋ 2፡1 3.1)።  ብ 53 እታ ናይ መጀመርታ ናይ ሓድሽ ኪዳን ሕንፃ ቤተ መቕደስ ኣብ ፊልጵስዮስ ካብ ትሕነፅ ጀሚሩ ግና ኵሉ ኣገልግሎት ኣብ ቤተ ክርስቲያን ጥራይ ከም ዝፍጸም ኮነ።

1.2.2  ጉባኤ ምእመናን

ጉባኤ ምእመናን “ቤተ ክርስቲያን” ተባሂሎም ይጽውዑ እዮም። እዚ ድማ  ናይ ክርስቲያን ወገን ዝኾኑ ኵሎም  ክርስቲያን ማለት እዩ። “ቤተ እስራኤል” ክብል ከሎ ናይ እስራኤል ወገን ቤተ ያዕቆብ ናይ ያዕቆብ ወገን ቤተ ኣሮን ናይ ኣሮን ወገን ከም ዝኾነ ቤተ ክርስቲያን ማለት ድማ ናይ ክርስቲያን ወገን ዝኾኑ ጉባኤ ምእመናን ማለት እዩ። እዚ ቃል እዚ ኣብ ናይ ትግርኛ መጽሓፍ ቅዱስ “ማኅበር” ብዝብል ቃል ተተኪኡ ኢና ንረኽቦ። ንኣብነት “ኃውኻ እንተበደለካ…..ንማኅበር ንገራ…ንማኅበር እንተ ዘይሰምዓ..” ከም ዝብል፡ ኣብዚ ማኅበር ዝብል ቃል ነቲ ቤተ ክርስቲያን ዝብል ቃል ወኪሉ እዩ ዘሎ። ኣብ ናይ ግእዝ መጽሓፍ ቅዱስ ግና “ወእመሰ ለቤተ ክርስቲያንሂ ኢሰምዐ ይኩን ከመ አረማዊ ወመጸብሐዊ” ብምባል “ቤተ ክርስቲያን” ዝብል ቃል ኪጥቀም ኸሎ ኢና ንርኢ። (ማቴ 18፡17-18) (መዝ 118፡3 113፡1 ማቴ 16 18 18፡17 ግ።ሐ 18፡22 20፡28)

1.2.3 ሰብነት ናይ ክርስቲያን

 “ቤት መቕደስ ኣምላኽ ምዃንኩምን መንፈስ ኣምላኽ ሓዲርኩም ከም ዝሎንዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም” ከም ዝብል፡ሰብነትና ቤት መቕደስ ኣምላኽ እዩ (1ይ ቆሮ 3፡16 ዮሐ 14፡23)

Ø 2. ሥርዓት ንምንታይ  የድሊ

2.1 ሓደ ሥራሕ ካበይ ጀሚሩ ናበይ ከም ዝኸይድ ዘፍልጥ ሥርዓት እንተዘይብሉ ፍጻሜኡ ኣይጽብቕን እዩ። ቅዱስ ዮሐንስ ኣፈወረቅ ነዚ ኣመልኪቱ ከምዚ ይብለና “ኵሉ ብዘይ ሥርዓት እንተ ኾይኑ ኵሉ ነገር ጥቕሚ ዘይብሉ እዩ ዚኸውን። ኵሉ ድኻምኩም ብዘይ ፍረ ይኸውን ንዓና ድማ ናብ ውርደት ይድርብየና። ካብ ሰናይ ሥነ ምግባር ዚበለጸ ዜሐጕስ ነገር የልቦን። ፈታዊ ሥርዓት ካብ ምዃን ዚበለጸ ምቊር ነገር ድማ የልቦን”

በዚ ድማ እዩ እግዚአብሔር ብሥርዓት ኪንመላለስ ዝእዘዘና። ስለ’ዚ ሥርዓት ኣምላኻዊ ትእዛዝ ስለ ዝኾነ ብሥርዓት ምምባር የድሊ።(1ይ ቆሮ 14፡40)
2.2     ሓደ ልብን ሓደ ሓሳብን ንምዃን፥ ሓደ ፍሉጥ ሥርዓት እንተለካ ኵሉ ጊዜ ሥምረትን ኅብረትን ኣሎ። ሥርዓት እንተዘየለ ግና ኪትሰማማዕውን ኣይትኽእልን ኢኻ። “ነቲ ኅብረት መንፈስ ብማእሰር ሰላም ጌርኩም ኪትሕልውዎ ተጋደሉ” እናብሉ ዚምዓዱና ድማ በዚ እዩ፤ (ኤፌ 4፡3) ብዛዕባ እቶመ ቀዳሞት ክርስቲያንውን “እቶም ዝኣመኑ ኩሎም ሓንቲ ልብን ሓንቲ ነፍስን ነበሩ” ብምባል ንሓድንቶም ይገልጾ። (ግ።ሐ 4፡32 ሮሜ 15፡5-6)

2.3     ናይ ሃይማኖት ምሥጢራት ንምፍጻም፡ ብዛዕባ ምሥጢራተ ቤተ ክርስቲያን ኣጠቓቕማ ከመይ ኪኸውን ከም ዘለዎ፡ ሜሮን መዓስ ኪቕባእ ከም ዝግባእ፡ ቃል ኪዳን ብኸመይ ኪፍጸም ከም ዝግባእ፡ ክህነት ኣበይን ብኸመይን ከም ዝወሃብ ዝብሉን ካልኦትን ካብ’ዚ ሥርዓት ኢና ንመሃሮም።

Ø 3 ሥርዓተ ቤተ ክርስቲያን ምምሃር ንምንታይ ይጠቅም?

3.1  ሥርዓተ ቤተ ክርስቲያን ዝተማህረ ሰብ ናይ ቤተ ክርስቲያን ንዋየ ቅድሳት ካብ ናይ ካልኦት መናፍቓን ንዋየ ቅድሳት ንምፍላይ ይኽእል።

3.2  ሥርዓተ ቤተ ክርስቲያን ዝተማህረ ሰብ ንንዋየ ቅዱሳት ዝግብኦም ክብሪ ይህብ።“ነቲ ኣቓሑ ቤቱ ናብ ኣብ ቅድሜኻ ኣምጽእዎ’ሞ ንስኻን መኳንንትኻን ኣንስትኻን ዕቁባትካን ወይኒ ሰቴኹምሉ” ዳን 5፡23 ዝብል ዘፍርህ ቃል ሰሚዑ፡ ንንዋየ ቅድሳት ክብሪ ከም ዝህብ ይኸውን።

3.3  ሥርዓተ ቤተ ክርስቲያን ዝተማህረ ሰብ ናይ ቤተ ክርስቲያን ንዋየ ቅድሳት ትውፊት ተሓልዩ ከም ዝነብር ኣብ ምግባር ናቱ ኣስተዋፅኦ ይገብር።

Ø 4. ሥርዓት ቤተ ክርስቲያን ንብሎ ነየናይ እዩ?

 ሥርዓት ቤተ ክርስቲያን ኪንብል ከለና ሕንፃኡን፡ ምእመኑን፡ ጉባኤኡን ሠለስቲኡ ብምጥቕላል ዝምልከት ሥርዓት እዩ። ብዛዕባ ሕንጻ ቤተ ክርስቲያን ኣተሓናንፃኡ፡ ቅርጹ፡ ትኅዝቶኡን ካልእን፡ ብዛዕባ ጉባኤ ምእመናን ድማ ብዛዕባ ምስ ተጋብኡ ኪገብርዎ ዝግብኦምን ዘይግብኦምን፡ ናይ ሓባር ጸሎት ብኸመይ የብጽሑን ካልእን፡ ሓደ ኣማኒ ድማ ብዛዕባ ኣዘራርባኡ ኣከዳድናኡን ካልእን ንመሃረሉ ሥርዓት ብሓፈሻ፡ ሥርዓተ ቤተ ክርስቲያን ኢልና ንጽውዖ።

Ø  2 ናይ ሥርዓተ ቤተ ክርስቲያን ምንጭታት

ናይ ሥርዓተ ቤተ ክርስቲያን ምንጭታት ብዙሓት እዮም። ንኣብነት መጽሓፍ ቅዱስ፡ ሲነዶስ፡ ጉባኤያት ቤተ ክርስቲያን፡ መጻሕፍተ ሊቃውንት፡ መጻሕፍተ መነኮሳት ኪትቀሱ ኢኽእሉ። ኣብ’ዚ ንሕጂ ካብኦም ቆንጪልና ብምውሳድ ኪንመሃሃር ኪንፍትን ኢና።

2.1      መጽሓፍ ቅዱስ

 መጽሓፍ ቅዱስ ካብ ክልተ ማለት “መጽሓፍ”  “ቅዱስ” ዝብሉ ቓላት ዝቖመ እዩ። መጽሓፍ ማለት ብዙኃት ጠራዘውቲ ወይ ደብዳቤታት ኣብ ሓደ ዝተጠርነፉ ማለት ኪኸውን ከሎ፡ ቅዱስ ማለት ድማ ፍሉይ ክቡር ጽኑዕ ማለት እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ክልተ ዓበይቲ ኽፍልታት ይኽፈል ንሳቶም ድማ ብሉይን ሓድሽን ኪዳን ይበሃሉ። ብሉይ ኪዳን ድማ ኣብ ኣርባዕተ ይኽፈል። ንሳቶም ድማ

1. ናይ ሕጊ መጽሓፍ ካብ ዘፍጥረት ክሳብ ዘዳግም ዘለዉ 5 መጻሕፍቲ፤
2. ናይ ታሪኽ መጽሓፍ ካብ መጽሓፈ ኢያሱ ጀሚሩ ዘሎ ናይ መሳፍንትን ነገስታትን ታሪኽን ካልኦት ዝኃዘ እዩ።
3. ሣልሳይ ድማ ናይ ቅኔ ናይ መዝሙር ወይ ናይ ጥበብ መጽሓፍ ተባሂሎም ዝፍለጡ ከም መጽሓፈ እዮብ መዝሙረ ዳዊት መጻሕፍተ ሰለሞን መጽሓፈ ሲራክ ወዘተ።
4. ራብዓይ ድማ ናይ ትንቢት መጻሕፍቲ ይበሃሉ። እዚኣቶም ድማ ካብ ትንቢተ ኢሳይያስ ክሳብ ትንቢተ ሚልክያስ ዘለዉ እዮም።

ሓድሽ ኪዳን ድማ ኣብ 5 ይኽፈል

1.    ወንጌል ካብ ማቴዎስ ኪሳብ ዮሐንስ ዘለዉ 4 ወንጌላት።
2.    ናይ ታሪኽ መጽሓፍ ግብረ ሐዋርያት።
3.    መልእኽታት ካብ መልእኽቲ ሐዋርያ ጳውሎስ ጀሚሩ ክሳብ መልእኽቲ ይሁዳ።
4.    ናይ ትንቢት መጽሕፍ ተባሂሉ ዝፍለጥ ናይ ሓድሽ ኪዳን እንኮ ናይ ትንቢት መጽሓፍ ድማ ራእይ ዮሐንስ እዩ።
5.    8 ናይ ሥርዓት መጻሕፍቲ።

ብሓፈሻ 46 ናይ በሉይ ኪዳን 35 ድማ ናይ ሓድሽ ኪዳን መጻሕፍቲ ብድምር 81 ቅዱሳት መጻሕፍቲ ዘለዎ መጽሓፍ ቅዱስ ኣለና።

No comments:

Post a Comment