bieteelyas.blogspot.com ቤተ ኤልያስ

Friday 11 August 2017

እዛ ጓለይ እዚኣስ ዘማሪት ድያ ዋላስ ኣዝማሪት 9ይ ክፋል

ህያቡ ናይ ኵልና ሓሳባትን ርኢቶን ድኅሪ ምስምዑ፡ ብትእምረተ መስቀል ሠለስተ ጊዜ ኣማዕቲቡ፡ “ሐራይ እምበኣር ኣኅዋተይ ናይ ኵልና ርኢቶ ጽቡቕ እዩ። ምኽንያቱ እዚ ሕጊ እዚ ንዕብየት ኵልና ክሳዕ ዝኾነ ናይ ኵልና ሓሳባት ክፈስስን ብኡኡ ደንፊዑ ድማ ኣብ መደምደምታ ንኸነብጽሖን እዩ እቲ ዕላማ። ዝበዛኅና በዚ ሓሳብ ተሰማሚዕና ኣሎና። እቶም ሓደ ሓደ ተፃራሪ ርኢቶ ዝሃብኩም ድማ፡ ምናልባት ንሓሳባትኩም ርኢቶኹምን ዝመስል ሓሳባት፡ ማለት ‘ምስ ዝኾነ እምነት ኃቢርካ ምጽላይ ከም ዝፍቀድ፡ ፍቕሪ እምበር ሥርዓት ኣየጽድቕን እዩ’ ዝብል ጽሑፍ፡ ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ወይ ካብ ካልኦት ናይ ሥርዓት መጻሕፍቲ፡ ወይ ካብ ታሪኽ ናይ ቅዱሳን ኣቦታት ከተቕርቡልና ምደለኹ። ምኽንያቱ ብመጀመርታ ንሕና ነዚ መወከሲ ጌርና ስለ ዘዳለናዮ ኪኸውን ከሎ፡ ከልኣይ ድማ ኵሉ ጊዜ ከምዚ ዘየረዳድእ ነገር ኪለዓል ከሎ፡ ዝዓርቀና ቃል እግዚአብሔር እምበር ናይ ባዕልና ናይ ፈጠራ ሓሳባት ስለ ዘይኮነ እየ።

 ካብኡ ዝተረፈ ግና፡ ነዚ ንዕብየት ኵልና ዝኾነ መምርሒ ተኸቲልኩም ምሳና ኺትጓዓዙ ከም ዘለኩም ከብርሃልኩም እደሊ። ብዝኾነ ግና ኣነ በቲ ዝሃብኩምኒ ኃላፍነት ተኣዚዘ እየ ደው ኢለ ዝዛረብ ዘለኹ እምበር፡ ካባይ ንላዕሊ ዝኾኑ ኣቦታት ምሳና ስለ ዘለዉ ናብ ኣቦና ኸሕልፈኩም እሞ ንሶም ክዓጽውዩልና እዮም” ብምባል ዘረብኡ ዛዘመ።

 ብድኅርዚ እቶም ነቲ ኵነታትና ክሳዕ መወዳእታ ተኸታቲሎም፡ እቲ ምፍልላይ ካብቶም ንቤተ ክርስቲያን ረጊጾም ዝወፁ ሰባት ከም ዝመንጨወ ዘስተውዓሉ ኣቦይ ቀሺ ዘመንፈስ /ኣቦ ወንበር ናይ ሰበኻ ጕባኤ/ ተንሢኦም፡ ከምቲ ልሙድ ኣባታዊ ሰላምታኦም ብምቕዳም፡ “ደቀየ! ኮፍ ኢለ ኽዕዘበኩም ጸኒሐ፡ ኣብዚ ገጽኩም ድማ ብዙኅ ጭንቀትን ዘይምርግጋእን ይንጸባረቕ ኣሎ። ኣነ ኸምዚ ዘለናዮ ዘመን ገይሩ ዘጉህየኒ የብለየን። እቲ ምንታይሲ፡ ቀደም ዘመን ኣቦታትና ነቢያትን ሓዋርያትን፡ ንሕዝቢ ናብ ኣምላኽ ተመለሱ እናበሉ ክምህሩን ክሰብኩን ብዙኅ መከራ ይረኽቡ ነይሮም፡ ናይ ሎሚ ግና ብኣንጻሩ ደቅና ጊዜ ቐጺዕኩም መንፈስ ቅዱስ ድማ ኣብ ውሽጥኹም ኮይኑ ምሂሩኩምሲ፡ ኣብዚ እሳት ዝኾነ ዕድሜኹም፡ ንስኽራን ንዝሙት ንጓይላን ዳንኬራን ገደፊፍኩም፡ ንጾምን ንጸሎትን ንስግደትን ነዝማሬን ንቕዳሴን ንንስሓን ንቚርባንን ናብዚ ፍቱው ዝኾነ ቤት እግዚአብሔር ኣምላኽና ትግስግሱ ኣሎኹም። ክብሪ ነዚ ደቁ ዘይኃድግ ልዑል ፈጣሪና ይኹን። 

 ኣብዚ መጺኹም ኣቦ ኃዙ ኢልና ምሂርናኩም ኣቦ ኂዝኩም፡ ኣቦኹም ካብ እምነት ዘምቢሉ ኣሎ እሞ ኣቦ ቐይሩ ተባሂልኩምውን ተረዲእኩምሲ ኣተግቢርኩምዎ፡ ንሣልሳይ ጊዜውን ከምኡ ዘጋጠመኩም ኣለኹም። በዚ ተሓሊልዎም ገዛ ኮፍ ዝበሉን ተስፋ ቖሪጾም ናብቲ ዝነበሩዎ ሕማቕ ሕይወት ተመሊሶም ተረፍ ሓሰማታት ዝቛርፉ ዘለዉ ደቅናውን ውሑዳት ኣይኮኑን /ሉቃ 15/። 

ንስሓን ቊርባንን ተሰቢኽኩም ከም ውሉደ አብርሃም እሺ እዩ መልስኹም። ብዝግባእ ከነስሓኩምን ከቚርበኩም ዝኽእል ኣቦ ኽትረኽቡ ዘይምኽኣልኩም ግና ሓደ ነኣይ ካብ ዘሳቕየኒ ዘሎ  እዩ። ደቀየ ዘለኹምዎ ገልታዕታዕ እግዚአብሔር ይርእዮ ኣሎ፡ ዝወርደኩም ዘሎ ኣደራዕ ድማ ይጽሕፎ እዩ ዘሎ። እዚ ዅሉ መከራኹም ኣኽሊል ከውህበኩም ዝመጸ መከራ እዩ።

 ደቀየ! ኣብዚ ዘመን እዚ ብዘይ ቀልዓለም ናይ ኣቦታትን ናይ ውሉድን ሥራሕ ደሪብኩም ትሠርሑ ዘለኹም ጀጋኑ ናይ እምነት ንስኹም ኢኹም። እግዚአብሔር ክሳዕ መወዳእታ ጽንዓቱ የብዝኃልኩም። ነቶም ሰንከልከል ዝብሉ ዘለዉ ድማ ጸኒዖም ምእንቲ ደው ክብሉ ብጸሎትን ብምኽርን ንሓግዞም። ሕማቕ ጊዜ ከተዓዛዝብ እዩ ዝመጽእ። እዚ ዅሉ ሕጂ ኣብ ልዕሊ ቤተ ክርስቲያን ተጻዒኑ ዘሎ ናይ መዓት ደመና፡ ከም ግመን ከም ትክን በኒኑ ዝጠፍኣሉ ጊዜ ብርግጽ ክመጽእ እዩ። እዞም ደቀይ! ዋላ እኳ እንተ ዘይመጸ፡ እዚ መከራ እዚ ከም መጽረይኹም ጌርኩም ቊጸርዎ። ከምቲ ሓዋርያ ቕዱስ ጳውሎስ “እቶም ቅኑዓትኩም ምእንቲ ኺግሃዱስ ኣብ ማእከልኩም ምፍልላይ ኪኸውን ግዲ እዩ” /1ይ 1ቆሮ 11፡19 ዝበሎ፡ እዛ ሓጻር ናይ መከራ ጊዜ እዚኣ ናታትኩም፡ ናይዞም ኣብ ቤት ሕያው እግዚአብሔር ኣምላኽና ጸኒዕኩም ዘለኹም ቅንዕና ዘነጸረት ጊዜ እያ። ንሳቶም ድማ ከምቲ ሓዋርያ ቕዱስ ዮሓንስ “ካባና ወፂኦም፡ ግናኸ ካባና ኣይነበሩን። ካባና ነይሮም እንተ ዚዀኑስ፡ ምሳና ጸኒዖም ምነበሩ ነይሮም። ግናኸ ኵላቶም ካባና ዘይምዃኖም ምእንቲ ኺገሀድ እዮም ዝወፁ” /1ይ ዮሓ 2፡19/ ዝበሎ ካባና ኸም ዘይነበሩ ኣነጺሮም ኣለዉ።

እዞም ደቀይ እዚ ናይ ምፍልላይ ሕማም ኵልና ንርእዮን ንሰምዖን ከም ዘለና፡ ኣብዚ ዘለናዮ ዓዲ ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብ መላእ ኤውሮጳን ኣሜሪካን ካናዳን እስራኤልን ኣስፋሕፊሑ ዘሎ ክፉእ ሕማም እዩ። እዚ ድማ እቲ ጸላኢ ሰናይ ዲያብሎስ ዝዘርኦ ዘሎ ዘርኢ እዩ። ከምቲ “ግናኸ ነቢያት ሓሶት ድማ ኣብ ማእከል እቲ ሕዝቢ ተንሢኦም ነበሩ፡ ከምኡ ኸኣ ኣብ ማእከልኩም መምህራን ሓሶት ኪትንሥኡ እዮም፡ ናብ ርእሶም ቅልጡፍ ጥፍኣት እናምጽኡ ድማ፡ ክሳዕ ነቲ እተሻየጦም ጐይታ እኳ ኪኽሕድዎ እዮም፡ ንሳቶም ናይ ጥፍኣት ምፍልላይ ኣስሊኾም ኬእትዉ እዮም” 2ይ ጴጥሮስ 2:1 ተባሂሉ ዝተጻሕፈልና፡ ጸላኢ ሰናይ ብብርቱዕ ይዓዪ ስለ ዘሎ፡ ሓደራ ኣብ ማእከልኩም ከይህልዉ ድማ ተጠንቂቕኩም ተዓዘብዎም። ብዝኾነ መገዲ ምፍልላይን ጉጅለን ዝፈጥር መንፈስ ሥጋውን ሰይጣናውን እዩ። ብዓዲ ይኹን ብፖለቲካ ወይ ብኻልእ ኣሳቢብካ ምጉጅጃል ከይተማዕብሉ። ምኽንያቱ ከምቲ ሓዋርያ ይሁዳ ዝበሎ “ምፍልላይ ዜምጽኡ፡ መንፈስ ዜብሎም ሥጋውያን እዮም” ይሁዳ 1:19።  ቅዱስ ጳውሎስ ውን “ግናኸ ኣኅዋተየ፡ ነቶም ካብቲ እተመሃርኩምዎ ምህሮ ምፍልላይን መዓንቀፍን ዚገብሩ ኽትዕዘብዎም፡ እምዕደኩም ኣሎኹ። እቶም ከምዚኣቶም ዝበሉ ንኸብዶም እምበር፡ ንጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣየገልግልዎን፡ ብጥዑም ዘረባን ምርቓን ልቢ እቶም ገርህታት የስሕቱ እዮም እሞ፡ ካባታቶም ኣግልሱ”  ሮሜ 16: 17-18 ብምባል ምዒድና እዩ እሞ ሓደራ እዞም ደቀይ፡ ይቕሬታ ግበሩለይ ጊዜኹም ስለ ዝወሰድኩ።

 ኣብ መወዳእታ፡ ኣነ ኣቦኹም  ንፉዕ ደኣ ኣይኮንኩን እምበር፡ ምንባብ እየ ዝፈቱ። እዘን ዘንብበን ናይ ኣቦታተይ ቃላት ድማ ካብዚ ዅሉ ትርእይዎ ዘለኹም ምንውዋጽ ዋልታ ኾይነን ይከላኸላለይ ኣለዋ። ንኣኽትኩምውን ዝመኽረኩም እዚ እዩ። ቀዳሞት ኣቦታት ዝጸሓፉዎም ጽሑፋትን ንሳቶም ዝኃለፉዎ ሕይወትን ካብ መግቢ ንላዕሊ ተመነይዎም፡ ረኺብኩም ኣንብብዎም ንሳቶም ድማ መገድኹም ኪነግሩኹም እዮም። ኣባይ እንተ ተደጊፍኩም ኣነ ምስ ወደቕኩ ኪትወድቁ ትኽእሉ ኢኹም፡ ንስኻትኩም ግና ኣብ እግዚኣብሔርን ኣብ ቃሉን ጥራይ ተደገፉ። እቲ ምንታይሲ ዘይወድቁን ዘይኃልፉን ንሳቶም ጥራይ ስለ ዝኾኑ።

 እስከ ሕሰብዎ እዞም ኵሎም ምሳና ኃቢሮም ጸሎት ዘብጽሑ ዝቕድሱ ዝነበሩ ኣኅዋትና ካህናትን ዲያቆናትና ደቅና ምእመናንን፡ ካባና ዝተፈለዩ፡ መጻሕፍቲ ሰኣን ምፍላጦም እምበር ብቑዕ መፍለዪ ምኽንያትዶ ኣለዎም እዩ? ይዝከረኒ መጀመርታ ናብዚ ዓዲ ዝኣተናሉ፡ ሓደ ኣቦ “ገላ ካብዞም ኣብዚ ዝጸንሑ ምእመናን፡ “እዞም ብባሕሪ ዝመጻኹም ኣይንፈልጠኩም ኢና” ምስ በሉና፡ እዚኣ ከም ምኽንያት ተጠቒሞም ንምፍልላይ ዝዕድም ዘረባታት ከምልቑ ጀሚሮም ነይሮም። እዚ ግና ኣዝዩ ዘጉሂ እዩ። ካህንሲ ኣብ መቕደስ ኮይኑ ይጋደል፡ ከም ካህን ዘካርያስ ድማ ኣብ መቕደስ ይሕረድ እምበር፡ ነዚ ዘረባ እዚ ሰሚዑ ምፍልላይ ዝፈጠር ካህን በየናይ መለክዒ ናይ ክህነት ኢኻ ካህን ክትብሎ፧ እቲ ሕያዋይ ጓሳ ህይወቱ በጃ ኣባጊዑ የኅልፋ።  እቲ ብዓል ዓስቢ ግና፡ ጓሳ ዘይኰነስ፡ እተን ኣባጊዕውን ዘይጥሪቱ፡ ተዅላ ኺመጽእ ከሎ እንተ ረኣየ፡ ነተን ኣብጊዕ ኃዲግወን ይሃድም። እቲ ተዅላ ድማ ነተን ኣባጊዕ ይዛረፈን ፋሕውን የብለን።  ብዓል ዓስቢ እዩ እሞ፡ ይሃድም፡ ግዲ እተን ኣባጊዕውን የብሉን” ከም ዝተባህለ ድማ ሓቀኛ ጓሶት ዘይምዃኖም በዚ ኣመስከሩ።  /ዮሓ 10፡11-13/።

 እዚ ሕማም እዚ ኣብዚ ንሕና ዘለናዮ ዓዲ ጥራይ ዘይኮነ ኣብ መላእ ኤውሮጳ ኣስፋሕፊሑ ዝነበረ ሕማም ምዃኑ ድኂርና ኢና ፈሊጥና። እዚ ድማ ሓደ ሥዉር ኃይሊ ቤተ ክርስቲያን ንምዕናው ይሠርሕ ምህላዉ ዝያዳ ዘብርህ ተርእዮ እዩ። ብፁዓን ኣቦታት ካብ ኣስመራ መጺኦም ኣብ ሚላኖ ኣብ ዝገበሩዎ ኣኼባን ኣብ ካልእ ኣጋጣምታትን፡ ነዞም ከምዚ ዝብሉ ሰባት መጠንቀቕታ ብምሃብ ካህን ብዝመጸ ይምጻእ ቤተ ክርስቲያን ኣዲኡ እግዚአብሔር ኣቡኡ እዩ። ከምዚ ዓይነት ዘረባ ካባኹም ከይስማዕ ብዝብል ቃል ኣርባዕተ ነጥቢ ምስ ገበሩላ፡ ጸላኢ ሰናይ ናብ ካልእ ምኽንያት እዩ ተዛዊሩ፧ ትዝክሩ ኢኹም መጀመርታ ኽፍለዩ ኸለዉ፡ “ስለምንታይ ትፍለዩ” ኣሎኹም ምስ ተባህሉ፡ ‘ኣብዚ ቤተ ክርስቲያን ምስ ጫማኦም ዝኣትዉ ሰባት ስለ ዘለዉ’ ዝብል ምኽንያት ቀሪቡ። እዚውን ኣዝዩ ዘኅዝን መልሲ እዩ። እንተ ተኻእለካስ ነቲ ጫማ ገይሩ ዝኣተወ ኸኣ ካብ ቤተ ክርስቲያን ተውፅኦ እምበር ጫማ ገይሮም ኣትዮም ኢልካስ ቤተ ክርስቲያን ትኃድግ! እቲ ሓቂ ግና እዚ ኣይነበረን። ወዮ ደኣ ሕጂ ምስ ተፈለዩ እዩ ጽቡቕ ገይሩ ዝበርሃልና ዘሎ እምበር፡ ንሳቶም ንባዕሎም ኣብ ልቦም ካልእ ጫማ ተሸኪሞም እዮም ነይሮም። እምበር፦

1. ወይ ነቲ ጫማ ዝገበረ  ምሂሮም መረድእዎ፡ ወይ ከኣ ብበትረ መስቀሎም ገዚቶም መውፅእዎ
2. እታ ብኸምዚ ዝኸስዎ ዘለዉ ቤተ ክርስቲያን ሓንቲ እያ፡ ናብተን ካልኦት ጫማኦም ኣውፂኦም ዝኣትዉለን ኣብያተ ክርስቲያን ከ ዘይከዱ፧ /እዚውን ድጉፍ እዩ ማለተይ ግና ኣይኮንኩን/
3. ኣብዛ ተፈልዮማ ዘለዉ ቤተ ክርስቲያን ምስ ጫማይ እየ ዝኣቱ ዝብሎም ሰብ እንተ ረኸቡኸ፧ ካልእ ቤተ ክርስቲያን ድዮም ክኸፍቱ፧ እዞም ደቅና እንታይ ደፊንዎም እዩ ነዚ ኸስተውዕሉ ዘይከኣሉ።
4. እቲ ምኽንያት ግና እዚ ኣይኮነን ነይሩ፡ ለካ ከምቲ ኣቐዲመ ዝበልኩኹም፡ ኣብ ልቦም ካልእ ናይ ምፍልላይ ጫማ ስለ ዝነበሮም እዩ። ቊሩብ ቅንይ ምስ በሉ ድማ “ናትና ቤተ ክርስቲያን ፈሊና ኣሎና” ኢሎም ኣዊጆም። ኣዝዩ ዘኅፍር እዩ፧ ጐይታና  ኣብ ወንጌል ማቴዎስ “ኣቱም ቃርማ እተጽርዩ፡ ገመል ከኣ እትውሕጡ ዕዉራት መራሕቲ። ኣቱም ግቡዛት ጸሓፍትን ፈሪሳውያንን፡ ዝባን ዋንጫ መሬትን ጻሕልን ትሐጽቡ፡ ውሽጡ ግና ከትርን ስስዔን ምሉእ እዩ እሞ፡ ወይለኹም” /ማቴ 23፡24-25/ ብምባል ዝተዛረቦ ቃል ኣብኣቶም ተፈጸመ። እዞም ደቀይ ከምዚ ኢልኩም ዘይትሓትዎም ኣየናይ ይኸፍእ፧ ምስ ጫማኻ ናብ ቤተ ክርስቲያን ምእታውዶ፡ ወይስ ብዘይ ፍቓድ ጳጳስ ቤተ ክርስቲያን ምኽፋት፧ ቤተ ክርስቲያን እኮ /ፊያስኮ/ ኣይኮነትን ብዝኾነ ትኽፈት። ናታ ኣገባብን ሥርዓትን ናይ ኣመሠራርታ ኣለዋ። ኣብዚ ክሀበኩም ዘዳለኹዎ ጽሑፍ ነዚ ኣመልኪቱ ኪምህረና ኸሎ ከምዚ ይብል፦ “ወኢይሕንጹ ቤተ ክርስቲያን ዘእንበለ በትእዛዝ ኤጲስቆጶስ ወለእመ ተሀበለ ፩ዱሂ ወገበረ ካልእ ትርጕሙ “ብዘይ ትእዛዝ ኤጲስቆጶስ ቤተ ክርስትያን ኣይሥርሑ። ሓደ ሰብ እኳ ደፊሩ ካብዚ ወፃኢ እንተሠርሐ ኣብ ውሽጣ ክሳብ ዘለዓለም ቍርባን ኣይቑረብ። ካህንውን ነዚ ጥሒሱ ኣብ ውሽጣ ቍርባን እንተ ቘረበ ክህነቱ ይሰዓር። ʾʾ ፍት. ነገ. አን. 1 ቁ 2

ኣብ ካልእ ቦታ ድማ ከምዚ ይብል፦ “ፈሪሃ እግዚአብሔር ዘይብሎም ናይ ቤተ ክርስቲያን ቀኖና ከይፈለጡ ቤተ ክርስቲያኖም ገዲፎም ናብ ካልእ ቤተ ክርስቲያን ዝኸዱ ካህናትን ካልኦት ናይ ቤተ ክርስቲያን ኣገልገልቲ ብካልኦት ክልል ኣብያተ ክርስቲያናት ተቐባልነት ኪህለዎም ኣይግባእን። ናብ ዝነበርዎ ቤተ ክርስቲያን ኪምለሱ ይግብኦም። እምቢ ብምባል እንተኸይዶም ግና ከም ዘይፍቀደሎም ኪግበር ኣለዎ። ንሓንቲ ቤተ ክርስቲያን ገዲፉ ናብ ካልእ ቤተ ክርስቲያን ዝኸደ ሰብ፡ ካብታ ዝመጸላ ቤተ ክርስቲያን ፍቓድ ከይረኸበ ሓደ ኤጲ ስቆጶስ ብድፍረት ክህነት ሂቡ እንተተቐቢልዎ፡ ሽመቱ ዋጋ ዘይብሉ ይኸውን።

እዚ ሕጊ እዚ እቶም ሃይማኖቶም ዝቐንዐ 318 ሊቃውንተ ቤተ ክርስቲያን ዝሓገጉዎ እዩ። ነዚ ግና እዞም ዝስዕብዎም ዘለዉ ደቆምሲ ይትረፍ፡ እቶም ካህናትን ዲያቆናትንውን ዝፈልጡዎ ኣይመስለንን። እናፈለጡ እንተ ኾይኖም ድማ፡ ካልእ ዕላማ እዩ ዘለዎም ማለት እዩ።

ብዝኾነ ብቤተ ክርስቲያን ምፍላይውን ደው ኣይበሉን፡ ናይ ልቦም በብቚሩብ ከውፅእዎ ጀመሩ እሞ “እዚ ዘሎ ሲኖዶስ ናይ ኤርትራ ውጉዝ እዩ፡ ንሕና ብብፁዕ ወቅዱስ አቡነ እንጦንዮስ ኢና ንምራሕ” ዝብል ኅቡእ ኣጀንዳኦም ደርጉሕዎ። ለከአ እዚ ዅሉ ጫማን ካልእን ዝበሃል ዝነበረስ መበገሲ እዩ። ሕጂውን ክሕተት ዝግብኦ ብኁዝ ሕቶታት ኣሎ፦

1. ሲነዶስ ናይ ኤርትራ ውጉዝ እንተ ኾይኑ፡ ንሳቶም ባዕላቶም ዝበዝኁ ካህናቶምን ዲያቆናቶምን ካብዚ ተወጊዙ ዝብልዎ ዘለዉ ሲነዶስ እዮም ክህነት ተዋሂቦም። ስለዚ ክህነቶምውን ውጉዝ እዩ ማለት ድዩ፧ ዝተወገዙ እንተ ኾይኖም ደኣ ንምንታይ መስቀል ጨቢጦም፡ ንምንታይከ ሰብ ዘናስሑ፡ ዝተወገዘ ኻህን ከ ከጠምቕ ከቚርብ ቃል ኪዳን ከእስር ይኽእል ድዩ፧ ስለዚ ከይተረድኦም ናብ ዝገደደ ዓዘቕቲ ኣተዉ።
2. ብናይ ኤርትራ ሲነዶስ ዘይምርሑ እንተ ኾይኖም ከ ከመይ ኢሎም ናይ ኤርትራ ቤተ ክርስቲያን ተባሂሎም ይጽውዑ፧
3. ብፁዕ ኣቦና ስለ ዝተኣሰሩ ኢና ተፈሊና ኽብሉ ጸኒሖም፡ ምስ ተፈትሑ ደኣ እንታይ ኮይኖም ዘይምለሱ፧ ስለዚ እዞም ደቀይ ኣስተውዕሉ፡ እዞም ሰባት እዚኣቶም ብድኅሪኦም ኮይኖም ዝጠዋውይዎም ካልኦት ኣካላት ኣለዉ፡ ንሳቶም ዕላማ ኣለዎም እዚኣቶም ግና ብግርህነት ናታቶም መሣርሒ እዮም ዝኾኑ ዘለዉ። መብዛኅትኦም ኣብኡ ዘለዉ ካህናትን ምእመናንን ንሃይማኖቶም ቀናኣት ከም ዝኾኑ እፈልጥ እየ። ሥርዓት ከዕርዩ ካብ ልቦም ዝህቅኑ ከም ዘለዉውን እፈልጥ እየ። ነዚ መሥርሕ እዚ ኣበይን ብኸመይን ትገብሮ ኣፍልጦ ስለ ዘይጸንሖም ግና በቶም ብግዳም ዘለዉ ኃይልታት ተታሊሎም ኣብ ዘይሓሰብዎ ዓዘቕቲ ኣትዮም ይርከቡ ኣለዉ። እግዚአብሔር ነታ ዝነበረት ቅንኣቶም ርእዩ ናብ ኣእምሮኦም ኪመልሶም ፍቓዱ ይኹን። ብጸሎት ዘክርዎም ኣፍቅርዎም እምበር ኣይትጽልእዎም። 

ኣካይዳኦም ግና ካብ ጫማ ናበይ ከም ዝበጽሐ ተዓዘብዎ፡ በዚ ደው ከም ዘይብሉ ኸኣ ርግጸኛ ኾይነ እነግረኩም ኣሎኹ፡ ዕላማኦም በብንእሽተይ ሰብ ምእካብ እዩ። ክሕደት ድማ በብንእሽተይ ምትካል፡ ኣብ መንጐኹምን ኣብ መንጐ ደቆምን ድማ በብንእሽተይ ጽልኢ ምትካል። ንሳቶም እንተ ጸረፉኹም እሞ ንስኹም ከኣ እንተ ጸሊእኩምዎም፡ ብፍላይ ድማ እንተ ጸሪፍኩምዎም፡ ኣብ መንጎኹም ዘሎ ጋግ ዓቢይ ይኸውን ኣዚኹም ድማ ትጻልኡ። ሽዑ እዞም ኣኅዋትኩም ዋላ ነቲ ናይ ክሕደት ትምህርቲ ከይፈተዉ ከድንቕዎ ክቕበልዎ ይጅምሩ። ምኽንያቱ ምሳታትኩም ኣብ ህልኽ ስለ ዝኣትዉ፡ ናባኹም ምምላስ ከም ስዕረት ኮይኑ ስለ ዝስምዖም፡ ከይፈተዉ ናታተቶም ኣጣቓዕቲ እናኾኑ ይነብሩ። ሰይጣን ከምኡ እዩ ዝገብር፡ የጻልኣካ የጻርፈካ፡ ይቕረ ክትብል ምስ ትደሊ ድማ፡ እዚ ዅሉ ትማል ከምዚ ትብል ከም ዘይነበርካስ ሕጂ ኢድካ ክትህብ እናበለ ልብኻ ከም ዝተርር ይገብር። ስለዚ ሓደራ ደቀይ ንኽፉእ ብኽፉእ ኣይትቃወምዎ። ክሳዕ መወዳእታ ኣፍቅርዎም ብፍቕርኹምን ብኣካይዳኹምን ጥራይ ከም ዝምለሱ ኽትገብሩ ዝከኣለኩም ጸዓሩ።

 ኣብ መወዳእታ ኣነ ምስኪናይ ዝኾንኩ ኣቦኹም፡ ገለ ካብ ዘንብቦም ጽሑፋት፡ ኣብዚ ፈታኒ ጊዜ ደገፍ ምእንቲ ኪኾናኹም ኢለ ዘምጻእኩወን ጽሑፋት ኣለዋ። ሕጂ ንኹልኹም ክዕደላኹም እየን። ኣብ ገዛ ምስ ከድኩም ተገዲስኩም ኣንብብወን።  ነዚ ሕጂ ዘካትዓና ዘሎ ነገራትውን ዝያዳ መብርሂ ስለ ዝኾና ኣዝየን ጠቐምቲ እየን። ብዝተረፈ እግዚአብሔር ምስ ኵልና ይኹን ሰላሙን ትዕግሥቱን ይሃበና፡ ንዝወደቑ ትንሣኤ ንዘለና ጽንዓት ይሃበና፡ እግዚአብሔር ይባርኹም እዞም ደቀይ ካብ ኵሉ ኽፉእ ድማ ይሓልኹም፡ ጸሎታን ረድኤታን ናይ እመ ኣምላኽ ኣይፈለየና፡ ብሩኽ መዓልቲ” ብምባል ኣዕጽምቲ ዘጥልል ዘረባ ተዛሪቦም ዛዘምዎ። 

ኣቦና ኽዛረቡ ኸለዉ ኣብ መንጐ ንብዓት ይስዕሮም ስለ ዝነበረ፡ ኣነውን ከይተረድኣኒ ንብዓት ጀረብረብ የብሎ ነበርኩ። ኣብ ጥቓይ ዝነበራውን ኵላተን ኣዒንተን ንብዓት ቋጺሩ ይርአ ነበረ። ኣብ መወዳእታ ነቲ ብዛዕባ ሥርዓተ ቤተ ክርስቲያን ዝምልከት ጽሑፋት ዓዲሎምና ብጸሎት ናይ ዕለቱ መደብ ተዛዘመ።

No comments:

Post a Comment