bieteelyas.blogspot.com ቤተ ኤልያስ

Wednesday 2 August 2017

ኣንቲ ጓለይ እዚኣስ ዘማሪት ድያ ዋላስ ኣዝማሪት፧ 8ይ ክፋል


 
ካብቶም ናይ ወርቃዊ ዘመን ሊቃውንት ዝበሃሉ ዝጥቀስ ቅዱስ ኣትናቴዎስ “መልእኽቲ (ደብዳቤ) ንደናግል (Letter to Virgins) ኣብ ዝብል ጽሑፉ ናይ እመቤትና ቅድስት ድንግል ማርያም ናይ ቤተ መቕደስ ሕይወታ ንዅለን ደናግል ኣርኣያ ወይ ምሳሌ ከም ዝነበረ ኺገልጽ እንከሎ  “Mary was pure virgin, with a harmonius disposition…” (ማርያም ንጽሕት ድንግል ኮይና ኣዝዩ ጽቡቕ መርገጺ ዝነበራ ጽቡቕ ተግባራት እትፈቱ ነበረት። ብኣወዳት ክትርአ ፈጺማ ኣይትፈቱን ነበረት፡ ...። ብዘይ ምቁራጽ ኣብ ቤቱ ነበረት፡ ናብራ ናይቲ ካብ ጸወታ ዝረሓቐ ሰብ ዝነበረት ኪትከውን ከላ፡ ምስታ መዓር እትህብ ንህቢ ትመሳሰል። ብኣእዳዋ ካብ ዝሠርሓቶም ሥራሓት ዝረኸበቶ ገንዘብ ንድኻታት ተካፍል፡ ንብሕታ ክልተ ነገራት ንኽገብረላ ናብ እግዚአብሔር ትጽሊ፡ ንሱ ድማ ክፉእ ሓሳብ ኣብ ልባ ንኸይሰርጽን ልባ ካብ ፍቕሪ ኣምላኻዊ ፈጺሙ እናዛሕተላ ንኸይመጽእን እዩ። ዘረባኣ ዝተረጋግአ ድምፃውን ህድእ ዝበለ ነበረ፡ መዓልቲ መዓልቲ ድማ መንፈሳዊ ስጉምቲ (ብቕዓታዊ ምምኅያሽ ዕብየት) ክትገብር ትደሊ፡ መዓልታዊ ድማ ከምኡ ትገብር። ንግሆ ኺትትንሥእ እንከለ ካብቶም ቅድሚ ሕጂ ዝሠርሓቶም ሥራሓት ዝያዳ ኪትሠርሕ ትደሊ፡ ሞት ድማ ፈጺማ ኣይትፈርህን ነበረት። እኳ ደኣ ብኃዘን ኮይና ናይ መንግሥተ ሰማያት መጀመርታ (መእተዊ) ከም ዘየቋረጸት መዓልታዊ እናረኣየት ኣብ ጸሎታ ተልዕሎ) ብምባል ናይ ደናግል መመክሒት ምዃና ብስፍሓት ይገልጽ። ነቢይ ዳዊት ኣብ /መዝ 92፡12/ ጻድቃን ከም ስየ ይልምልሙ ከም ጽሕዲ ሊባኖስ ይኣብዩ ንሳቶም ከምቲ ኣብ ቤት እግዚአብሔር ዝተተኽለ ኦም ኣብ ኣጸድ ኣምላኽና ይልምዑ” ብምባል ቅዱሳን ኣብ ቤተ እግዚአብሔር ከም ዝነብሩ ኣብ ምስጋናኡ ከም ዝገለጸ፡ እታ ቕድስተ ቕዱሳን እመቤትና ኣብ ቤተ መቕደስ ብንጽሕናን ብቕድስናን ነበረት”

 እዚ ጽሑፍ እዚ ብሓቂ መድኃኒት እዩ። ከተንብቦ ኸለኻ ሰላም ይዓስለካ፡ ልብኻውን ብደስታ ኽምላእ ይስምዓካ። ናይ ቅድስት ድንግል ማርያም ሕይወት ምስማዕ ንባዕሉ ጥራይ በረኸት ዘውህብ እዩ። ልዕሊ ዝኾነ ድማ ንኸምዚ ኸማይ “ኣምላኽ ናይ ልቢ እዩ ዝርኢ” እናበልና፡ ክርስቲያናዊ ኣከዳድና ብምንዓቕ፡ ናይ ሕስረት ምልክት ዝኾነ ከፋት መፋት እንናፍቕ መንእሰያት፡ ኣዝዩ መሃሪ ትኅዝቶ ዘለዎ ታሪኽ እዩ። እዚ ትምህርቲ እዚ ከም ሕጊ ኾይኑ ኣብ ቤተ ክርስቲያንና ክጸድቕ እሞ፡ ኵሎል ኣባላት ትምህርቲ ሰንበት ኣኅዋተይን ኣኃተይን፡ በዚ ተመሪሕና ንባቢሎን ምእንቲ ኸነጸብቓ ብምሕሳብ ድማ፡ ነዚ ጽሑፋት ኣኻኺበ፡ ናብ ኃላፊ ናይ ቤት ትምህርቲ ሰንበት ህያቡ ኃወይ ኂዘዮ ኸድኩ። ንሱውን ትቕብል ኣቢሉ፡ “እዋይ ሔዋን ኃፍተይ ንስኽስ እምበኣር ተረዲኡኪ፡ ንሕና ድማ ምስዞም መሣርሕተይ ኴንና ነዚ ተቕርብለይ ዘለኺ ሓሳብ ድሮ ጀሚርናዮስ ሕጊ ክጸድቕ ኣብ ምቅርራብ ኢና ዘሎና። እዚ ኣምጺእክዮ ዘለኺ ጽሑፋት ድማ ኣዝዩ ሓጋዚ ስለ ዝኾነ፡ ክንጥቀመሉ ኽንወስዶ ኢና” ብምባል ድኅሪ ቚሩብ ዕላል ተፈላለና።

ድኅሪ ኽልተ ሰሙን ናይዛ ምስ ህያቡ ዝተራኸብናላ ዕለት፡ ህያቡ ምስ መሣርሕቱ ጠርነፍቲ ኽፍልታትን፡ ኣባላት ሰበኻ ጕባኤን ኣቦታትን ተመያይጦም ነታ ውሽጣዊት ናይ ቤት ትምህርቲ ሰንበት መምርሒ ሕጊ ናብ ማኅበር ኣቕሪቦም፡ ክንዝትየላ ናጻ መድረኽ ከፈቱ። ገለ ኻብ ትኅዝቶ ናይቲ ውሽጣዊ መምርሒ ሕጊ ነዚ ዝስዕብ ይመስል፦

1. ልብሲ መዘምራን ክለብስን ክምህርን ዝግብኦ
1.1 ኣብዛ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ እምነት ኣሚኑ ዝተጠምቀ 
ማር 16፡16፡ ኤፌ 4፡5 
1.2 ተነሲሑ ኣብ ቅዱስ ቁርባን ዝበጽሐ (ሮሜ 2፡21፡ ማቴ 7፡3 ፡ማቴ 23፡3-3 ፡ ዮሐ 6፡54)

2 ክዝምር ይኹን ከበሮ ክሃርም ዘይግብኦ
2.1 ብእምነት ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ኣሚኑ ዘይተጠምቀ 
“ነዛ ቕንዕቲ ሃይማኖት ክሳዕ ዘይኣመኑ ምሳታቶም ሓድነት የብልናን፡ ነቲ ክፉእ ጽቡቕ ነቲ ጽቡቐ ድማ ክፉእ ንዝብል ሰብ ወይልኡ ተባሂሉ ከም ዝተጻሕፈ፡ ንብርሃን ምስ ጸልማት ንክርስቶስ ምስ ቤልሆር  ሓድነት የብሉን” ኢሳ 50፡20 2ይ ቆሮ 6፡14-16 (ሃ.ኣበው ዘቄርሎስ 75፡41 ገጽ 296)

2.2  ምስ ማንም ሰብ ተጻሊኡ ኣይዕረቕን ዝበለ (ማቴ 18፡16 ፡1ይ ዮሐ 3፡15)
2.3 ብፍሉጥ ምኽንያት እንተዘይኮይኑ፡ ጸሎት ክኽፈት ጀሚሩ ምሉእ መደብ ናይ ትምህርቲ ሰንበትን ቤተ ክርስቲያንን ዘይሳተፍ

42.4 ኣብ ዝኾነ ይኹን ጓይላ ክስዕስዕ፡ ከጣቕዕ፡ ደርፊ ኽደርፍ ዕልል ክብል ወይ ካልእ ንዕኡ ዝኣመሰለ ክፍጽም ምስ ዝርከብ። (1መቃ 36፡28 ሮሜ 13፡13 ገላ 5፡19 1ይ ጴጥ 4፡1-3) ምኽንያቱ ኣቦታትና ሓዋርያት “ኢትኩኑ ዘፈንያነ” ደረፍቲ ኣይትኹኑ ኢሎም ጽሒፎምልና እዮም። (ዲድስ ኣን 7) መጽሐፈ ሓዊ ድማ “ካብ ሰይጣን ዝተረኽበ ስለ ዝኾነ ጓይላን ሳዕስዒትን ካባና ከነርሕቕ ይግበኣና” ይብል መጽ ሓዊ አን 50። ቅዱስ ዮሓንስ ኣፈወርቂ ድማ ካብ ምእዛዝ ሓሊፉ “ጓይላ ንኽትገድፉ እልምነኩም ኣለኹ” እናበለ ይምሕጸነና። (ተግ ዘዮሐ አፈ 28) “ኢይደልዎሙ ለካህናት ወለላእካነ ቤተ ክርስቲያን ወለሊቃናተ ምእመናን ከመ ይርአዩ ምንተኒ እምርእየተ ዘውስተ ከብካብ ወምስሐት። አላ ይትነሥኡ ወይሑሩ እምቅድመ ይባኡ መስተዛውያን”(ፍት ነገ አን 9) “ካህናት ኢይነጽሩ ተውኔተ ወኢዘፈነ” ማለት “ካህናት ጓይላን ንዕኡ ዝኣመሰለ ነገራትን ኣይርኣዩ” ይብል። (ፈው.መን 32፡7

2.5 ብእምነት ምስ ዘይመስሉና ንሥርዓት ቤተ ክርስቲያን ምስ ዘይእዘዙን ካህናትን ዲያቆናትን መሰልቶምን ዝኃብር ብፍላይ ድማ ንተሃድሶኣዊ ምንቅስቓስ ዘብራትዕ ተግባራት ዝሠርሕን ምሳታቶም ዝጽልን ዝዝምርን።

(“ምስ ኣርሲሳን ኣይትጸሊ፡ እዚኦም ድማ መናፍቓን እዮም ምስ ኣሕዛብ ውን ኣይትጸሊ” ኢሎምና ኣለዉ (ሃ.ኣበ ዘሠለስቱ ምእት)
ዝኾነ ይኹን ናባኻትኩም እንተመጸ እሞ ነዚ ምህሮ እዚ ዘየምጽአ ኣብ ቤትኩም ኣይትቀበልዎ ሰላም ውን ኣይትበልዎ፡ እቲ ሰላም ዝብሎስ ኣብቲ ግብሩ ሓቢርዎ እዩ 2ይ ዮሐ 1-10-11

“ነዛ ቅንዕቲ ሃይማኖት ክሳዕ ዘይኣመኑ ምሳታቶም ሓድነት የብልናን፡ ነቲ ክፉእ ጽቡቕ ነቲ ጽቡቐ ድማ ክፉእ ንዝብል ሰብ ወይልኡ ተባሂሉ ከም ዝተጻሕፈ፡ ንብርሃን ምስ ጸልማት ንክርስቶስ ምስ ብርሃን  ሓድነት የብሉን” ኢሳ 50፡20 2ይ ቆሮ 6፡14-16 (ሃ.ኣበው ዘቄርሎስ 75፡41 ገጽ 296)

ʿʿ ብዘይ ትእዛዝ ኤጲስቆጶስ  ቤተ ክርስትያን ኣይስርሑ። ኣደ ሰብ እኻ ደፊሩ ካብዚ ወጻኢ ንተሰረሐ ብ ዉሽጣ ክሳዕ ዘልኣለም ቍርባን ኣይቑረብ። ካህን ዉን ነዚ ጢሒሱ ኣብ ዉሽጣ ቍርባን እንተ ቆረበ ክህነቱ ይሰዓር። ʾʾ   ፍት. ነገ. አን. 1 ቁ 2
ካህን ወይ መነኮስ ቤተ ክርስቲያን ገዲፉ እንተ ከደ፣ እታ ካልኤቲ ቤተ ክርስትያን ኣይትቀበሎ፣ ናብ ቦቱኡ ንክምለስ ለምንዎ። ክምለስ ተዘይፈተወ ይፈለ። ኣብ ጉባኤ ዉን ኣይተኣዋወስ።   ፍት.ነገ. 6 ቁ 229-230 

ʿʿጉቦ ሂቡ ዝተሾመ ካህን ክህነቱ ይሰዓር። ወይ ዉን ብምፍርራሕ፣ ብአድልዎ፣ ብተንኾል፣ ብመማለዲ ክህብ የ ኢሉ ዝተሸመ ይሰዓር።…ዝዕበ፣ ሕጊ ፈሊጡ ዘይሰርሓላ፣… ወይ ናብ ተወጊዞም ዝተፈለዩ ዝዛረብ፣ ዝጽሊ፣ ብዘይ ፍቃድ ኤጲስቆጶስ ፍቃድ ዝከይድ ይሰዓር።ʾʾ ፍት.ነገ.አን.6.ቁ.224-25 

2.6 ፍሉጥ ዘማዊ/ት ቅድሚ መርዓ ሥርዓተ ቤተ ክርስቲያን ብዘይፈቕዶ መገዲ ዝጠነሰት/ዘጥነሰ ወይ ዝወለዱ  ብንስሓ ሕይወት ክሳዕ ዘይተመልሱ/
ነቲ ኽፉእ ካብ ማእከልካ ኣርሕቆ ዘዳ 17:7

ሓደ እኳ,,,,,,,ምእንቲ ኽኃፍር ምሳኡ ከይትኃብሩ ምልክት ግበርሉ,,,2ይ ተሰ 3:14
ሕጂ ግና ምስ ሓደ ሓው ዝበሃል፡ሞ ኣመንዝራ ወይስ ስሱዕ ወይስ መምለኺ ጣዖት ወይስ ተጻራፊ ወይስ ሰካር እንተ ኾይኑ ምስኡ ከይትጽንበሩ፡ ምስ’ዚ ከምዚ ዝበለ ከቶ ከይትበልዑ ጽሒፈልኩም ኣለኹ።1ይ ቆሮ 5:11-13 ሮሜ 16:17

2.7 ናይ መናፍቓን መዝሙር ስብከት ዝሰምዕን መጻሕፍቶም ዘንብብን

(መዝሙር ጸሎት ከም ዝኾነ ይጠፍኣካ ድዩ? ወይስ ንትእዛዝ ኣቦታትካ ግዲ ኣይትህቦን ኢኻ? መዝሙር ጸሎት ካብ ኮነ ምስ መናፍቓን ኣይትጸሊ ማለት ድማ መዝሙሮም ኣይትስማዕ ማለት እዩ ብምባል ክትርጎም ይከኣል እዩ።(ሃ.አበው ዘሠለስቱ ምእት)

ቅዱስ ማር ይስሐቅ “ናይ መናፍቓን መጽሓፍ ካብ ምንባብ ተኸልከል” ይብል። አረ ኣጥቢቑ ክእዝዘና እንከሎ “ዑቅ ከመ ኢትቅረብ ሃቤሃ” ናብ’ኣ ንምቕራብ ኮነ ገንጺልካ ከይተንብባ ተጠንቀቕ” ይብል። ስለ ምንታይ ከነንብብ ከም ዘይብልና ክገልጽ ከሎ ድማ “መንፈሰ ጽርፈት ማለት ናይ ጸርፊ መንፈስ ንከይሓድረካ” ይብል (ማር ይስ ኣን ቀዳማዊ ምዕ9) 
ስለ’ዚ ሓደ እኳ ንሕና ዘይሰበኽናዮ ካልእ ኢየሱስ እንተሰበኸ ወይስ ንስኻትኩም ዘይተቐበልኩምዎ ካልእ ካልእ ወንጌል እንተመጸኩም ጽቡቕ ትዕገስዎ ኣለኹም (2ይ ቆሮ 11፡1-5) ብምባል ስብከቶምን መዝሙሮምን መጻሕፍቶምን ክንዕገሶ ከም ዘይግበኣና ይምህር።

3 ጓል እንተኾይና፡ ክትገብሮም ዘይፍቀዳ

3.1 ኣብ ኣተኃኅዛ ጸጕሪ ሕብሪ ምስታይ፡ ካልእ ንዕኡ ዝኣመሰለ ኢክርስቲያናዊ ኣተሓሕዘዛ ጸጕሪ ምጥቃም። (1ይ ቆሮ 11፡5-11)
3.2 ስኽራን ኣብ አለባብሳ ቅርጺ አካላታ ዘርኢ ረቂቕን ጨዳድ ዘለዎን ክዳን፡ ጸረ ክርስትና ዝኾነ ጽሑፋትን ስእልታትን ዝሓዘ ክዳን፡ ኣፍንጫኻ ከንፈርካ፡ መልሓስካ፡ ከበሮ ዓይንኻ ምሰቋር፡ ሸፋሽፍቲ ዓይኒን ከበሮ ዓይንን ብዝተፈላለዩ ካብ መጠን ዝሓለፉ ሕብርታት ምግያጽ፡ ኣዝማልቶን ካልእ ንዕኡ ዝኣመሰለ ካብ መጠን ንላዕሊ ዝሓለፈ መጋየጺታት ክትጥቀም ኣይፍቀዳን
ክርስቲያን ክለብስዎ ዝግበኦምን ዘይግበኦምን ክዳን ኣሎ። ነዚ ውን ቅዱስ ጳውሎስ “ግቡእን ትሕትና ዘርእን ክዳን ይከደና። ከምቲ ነተን መንፈሳውያን ኣንስቲ ዝግባእ ብሠናይ ግብሪ ኪስለማ እደሊ ኣለኹ”(1ይ ጢሞ 2፡9-10)

“እስኩ ንግረኒ ኢኮነሁ ርቱዐ ቃለ ሓዋርያ ሶበ ይሰምዮ ለስሱዕ ከመ መምልኬ ጣዖት” ትርጉሙ “እስኪ ንገረኒ ሓዋርያ ውዱስ ጳውሎስ ጣዖት ዘምልኹ ኣብ ዝነቐፈሉ ኣንቀጽ “አው ዐማፂ” ዓማጺ ውን ይኹን ድኅሪ ምባሉ ብናይ ምንዝርና መጋየጺን ብፍቕሪ ንዋይን ዝተኣሰሩ ሰባት ኣተሓሒዙ ምንቃፉስ ግቡእ ዶ ኣይኮነንዩ? ኣምለኽቲ ጣዖት ንጣኦታት ከም ዘኽብርዎም “ከማሁ እሉሂ ያከብሩ ኣልባሰ ወንዋየ” ከምኡ ውን ክዳንን ገንዘብን እዮም ዘኽብሩ” ተግሳጽ ዘዮሐ አፈ 20።

“ስልማትክን እቲ ብሕቡእ ናይ ልቢ ሰብን ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ክቡር ዝኾነ ለዋህን ህዱእን መንፈስ ይኹን እምበር እቲ ናይ ስሩሕ ርእስን ናይ ስልማት ወርቂ ምእሳርን ናይ ዘጌጸ ክዳውንቲ ምኽዳንን ኣፍኣዊ ነገር ኣይኹን....ይብለና እዩ። (1ይ ጴጥ 3፡2-6)

4. ወዲ እንተኾይኑ

4.1 ክስቆር ክቚነን ጸጕሩ ሕብሪ ኸስቲ፡ ጸጕሩ ከንውኅ ኮነ ክጥቕልል ሸፋሽፍቲ ዓይኑ ብሕብሪ ኾነ ብላማ ከስተኻኽል፡ ስሪኡ ኣዝሊቑ ክኣስር፡ ጸረ ክርስትና ዝኾነ ሥዕልታትን ጽሑፋትን ዘለዎ ክዳን ክኽደን፡  (1ይ ቆሮ 11፡14)
4.2 ክሰክር ሽጋራን ካልእ ወልፍታትን ክህልዎ ኣይግባእን (ገላ 5፡19-23)

...ዝብልን ካልእን እዩ። እዚ ተነቢቡ ርኢቶ ምስ ተሓተትና፡ ዳርጋ ሠለስተ ዓይነት ገጽ ኢና ኣርኢና።

1ይ. ነዚ ሕጊ እዚ ኣዝዮም ዝምነይዎ ዝነበሩ፡ ቅኑዓት መንፈሳውያን ኣኅዋት። እዚኣቶም መብዛኅትኦም፡ ብሕሊናኦምን ብዝተማህሩዎ ትምህርትን ነዚ ሕጊ ኣቐዲሞም ክፍጽምዎ ዝጸንሑ ሰባት እዮም። ሕጕስ ልብን ብብሩህ ገጽን ድማ ተቐበልዎ።

2ይ. መንፈሳዊ ሕይወት ብልምዲ ክመላለስዎ ዝጸንሑን፡ ብኸምኡ ክቕጽሉ መደብ ዝነበሮምን፡ ካብ መጠን ንላዕሊ ናይ መጋየጽን ናይ ዝሙትን ድሌት ዘለዎም እዮም። ሕሊናኦም ስለ ዝረትዖም ግና ተንሢኦም ኪዛረቡ ኣይከኣሉን፡ ኣብ ደገ ሕሹኽሹኽ ምባል ግና ዘይተርፍ እዩ።

3ይ. ብሥርዓት ምምራሕ ፈጺሙ ዘይወሓጠሎም፡ ምስ ዝኾነ እምነት ኃቢርካ ምጽላይ ከም ዝፍቀድ፡ ፍቕሪ እምበር ሥርዓት ኣየጽድቕን እዩ ብምባል ርኢቶኦም ብጋህዲ ዝሃቡ እዮም። እዚኣቶም መብዛኅትኦም ኣቦታቶም ምስቶም ብስም ኦርቶዶክስ እናተጸውዑ፡ ሰባት ዘታልሉ ዘለዉ ካህናት ብምዃኖም ዝተቐርቀሩ ሰባት እዮም። ነዚ ንኽሕክሙ ድማ እዮም ኵሉ ሓደ እዩ ጸገም የብሉን ምስኦም ንዝምር ምስኦም ንጽሊ ኣብኦም ኵሉ ምሥጢራት ንፍጽም ዝበሉ። እቲ ሃዋሁ ህድእ ብዝበለ መንፈስ እናቐጸለ፡ ኣብ መወዳእታ ናይ ኵላቶም መልሲ ንምምላስ ህያቡ ተንሥአ።

No comments:

Post a Comment