bieteelyas.blogspot.com ቤተ ኤልያስ

Sunday 30 July 2017

ትርጕም ሓንቲ ቓል 12




ማቴ 10፡34-38 ናብ ምድሪ ሰላም ኸምጽእ ዝመጻእኩ ኣይምሰልኩም። ሰይፊ ደኣ እምበር፡ ዕርቂ ከምጽእ ኣይመጻእኩን። ሉቃ 12፡49-54 ናብ ምድሪ ሓዊ ኽድርቢ እየ ዝመጻእኩ፡ ሕጅስ ብጀካ ምንዳዱ እንታይ እደሊ ኣሊኹ፧

 ኦ! ንጉሠ ሰላም ኢየሱስ ክርስቶስ ንስኻ፡ ሰላም ኪትዕድል ዝመጻኻ ኣምላኽ ክነስኻስ ሰላም ኬምጽእ ዝመጻኹ ኣይምሰልኩም ዝበልካ ደኣ ንምንታይ እዩ? ነቢይ ኢሳይያስ ብዛዕባኻ ብመንፈስ ትንቢት ከምዚ እናበለ ጨደረ፦ “ሕፃን ተወሊድልና ወዲ ተዋሂቡና ስሙ ድንቂ መካር ኃያል ኣምላኽ ኣቦ ዘለዓለማዊ ሰላም ኪስመ እዩ” /ኢሳ 9፡6/። እዚ ቓል ትንቢት እዚ እሙን ምዃኑ ድማ ንስኻ ብኣምላኻዊ ቓልካ “ሰላመይ እህበኩም ሰላመይውን እኃድገልኩም ኣለኹ፡ ኣነ ዝህበኩም ሰላም ከምቲ ዓለም እትህበኩም ሰላም ኣይኮነን” ብምባል ወሃቢ ሰላም ምዃንካ ምሂርካና ኢኻ /ዮሓ 14፡27/። 

 መኣስ ምሂርካና ጥራይ ነቶም ካባኻ ርሒቕና ዚነበርና ደቅኻ ብሰንኪ ዲያብሎስ ጠፊኡ ዚነበረ ሰላምና ኣብ መስቀል ተሰቒልካ መለስካልና፡ በዚ ድማ ናይ ሰላም ንጉሥ ምዃንካ ብተግባር ርኣና። ብድኅሪ ትንሣኤኻ ድማ ንሓዋርያት ብዕጹው ቤት ብምእታው “ሰላም ንኣኻትኩም ይኹን” ብምባል ብስቕለትካ ዓለም ብሰላም ከም ዝመላእካያ ኣበሠርካ /ዮሓ 20፡19 20፡26/። ክቡር ጳውሎስ “ሕጂ ግና፡ ኣቱም ቀደም ርሑቓት ዝነበርኩም፡ ንስኻትኩም ብክርስቶስ ኢየሱስ ብደም ክርስቶስ ቀረብኩም። ንሱ ነዞም ክልተስ ሓደ ዝገበረ፡ ነቲ ኣብ መንጎ ዝነበረ ኸልካሊ ቐጽሪውን ዘፍረሰ፡ ሰላምና እዩ እሞ፡ ብርእሱ ዕርቂ እናገበረ፡ ካብዞም ክልተ ሓደ ሓድሽ ሰብ ምእንቲ ኺፈጥር፡ ነቲ ጽልኢ፡ ንሱ ኸኣ ሕጊ ትእዛዝ ብሥርዓት፡ ብሥጋኡ ስዒሩ፡ ብመስቀሉውን ነቲ ጽልኢ ብእኡ ቐቲሉ፡ ንኽልቲኦም ብሓደ ሥጋ ምስ ኣምላኽ ኣተዓረቖም” ብምባል ሰላምካ ከመይ ጌርካ ከም ዝዓደልካና መሃረ /ኤፌ 2፡13-16/። ካብዚ ዚተላዕለ ድማ “ኣምላኽ ሰላም ምስ ኵላትኩም ይኹን። ኣሜን። ብምባል ኣምላኽ ሰላም እናበለ እዩ ዝጽውዓካ /ሮሜ 15:33/። 

 ስለዚ ንስኻ ናይ ሰላምን ናይ ዕርቅን ኣምላኽ ምዃንካ ዘጠራጥር ኣይኮነን። ወዲ ኻብ ኣቦኡ፡ ጓል ካብ ኣዲኣ፡ መርዓት ካብ ሓማታ ደኣ ኽፈሊ መጻእኩ እምበር፡ ንሰብ እቶም ቤተ ሰቡ ጸላእቱ ኪዀኑ እዮም። እቲ ኻባይ ንቦኡን ነዲኡን ዜፍቅር ንኣይ ኣይበቅዕን እዩ። ካባይሲ ንወዱ ወይስ ንጓሉ ዜፍቅር ድማ ንኣይ ኣይበቅዕን እዩ። መስቀሉ ኣልዒሉ ደድኅረይ ዘይስዕብ ንኣይ ኣይበቅዕን” ብምባል ንጹር ከም ዝገበርካዮ ግና፡ ንስኻ ንድኅነትና ኢልካ ሥጋና ተዋሓሒድካ ምስ መጻኻ፡ ልቡ ዝኸፈተ ወላዲ ተቐበለካ ልቡ ዝዓጸወ ውሉድ ድማ ነጸገካ፡ ልቡ ዚተኸፈተ ውሉድ ተቐበለካ ልቡ ዚዓጸወ ወላዲ ግና ነጸገካ፡ ልባ ዝኸፈተት መርዓት ተቐበለትካ፡ ልባ ዚዓጸወት ሓማት ግና ነጸገትካ፡ በዚ ድማ ኣብታ ስድራ ምፍልላይ መጸ /ማቴ 4፡21/። 

 ብሓጺር ኣገላልጻ ንስኻ ሰላም ኂዝካ ምስ መጻኻ ገሌና ንሰላምካ ተቐቢልና ሰላም ረኸብና ገሊኣቶም ድማ ሰላምካ ነጺጎም ሰላም ርሓቖም። ስምዖን ኣረጋዊ ብዛዕባ እዚ ከምዚ ብምባል ተነብዩ ነበረ “ስምኦን ከኣ ባረኾም፡ ነዲኡ ማርያም ድማ፥ እንሆ፡ እዚ ንብዙኃት ኣብ እስራኤል ንምዳቖምን ምትንሳኦምን ንትእምርቲ ምጽራርውን ንቡር እዩ” /ሉቃ 2፡34-35/። እዚ ማለት ብዙኃት ኣምላኽነቱ ኣሚኖም ካብ ውድቀቶም ኪትንሥኡ እንከለዉ፡ ብኡ መጠን ድማ ወዲ ዮሴፍ እናበሉ ዚተዓንቀፉ ሰባት ነበሩ /ማር 6፡3/። ሕጂውን ኣብ ዓለም ዝርአ ዘሎ ንሱ እዩ። ኣብ ሓንቲ ቤት እቲ ሓደ ኣምላኸይ እናበለ ይልምኖ፡ እቲ ሓደ ድማ ዓርከይ ለምነለይ እናበለ የቃልሎ፡ እቲ ሓደ ፍጡር ይብሎ እቲ ሓደ ፈጣሪ እቲ ሓደ ኣማላዲ ይብሎ እቲ ሓደ ፈራዲ ገዛና ብኸምዚ ባቢሎን ኮይና ኣላ።
 ነዚ ብምንታይ ንመስሎ ልክዕ ከምቲ ሓደ ሃብታምን ሕያዋይ ኣቦ ሰፊሕ ናይ ሕርሻ መሬት ንወዱ ዝህቦ እሞ፡ እቲ ወዱ ግና ሰነፍ ስለ ዝኾነ ነቲ መሬት ሸይጡ ነቲ ገንዘብ ይሰኽረሉ፡ ሰኺሩ ምስ መኪና ተጋጭዩ ድማ ይመውት። ነዚ ዝረኣዩ ጐረቤቱ እዘን ገንዘብ ለኪመንኦ፡ ብሰንኪ እዘን ኣቡኡ ዝገደፈሉ ገንዘብ እዩ ጠፊኡ ይብሉ። ኣብዚ ሕጂ ዝተጋገየ መን እዩ? እቲ ገንዘብ ዝገደፈ ኣቦ ወይስ እቲ ብገንዘብ ኣቦኡ ሞት ዝዓደገ ውሉድ? ክርስቶስ ድማ ልክዕ ከምኡ ሰላም ከምጽእ ኣይመጻኹን ሰይፊ ማለት ኃዘን ምፍልላይ ደኣ እምበር ክብል ከሎ፡ ንሱ ዝሃበና ሰላም ብዘይ ምቕባልና፡ ባዕልና ኣብ ሰላም ዘይብሉ ኃዘንን ምፍልላይን ከም ዝኣተና ንኸረድኣና እዩ። 

 ሉቃ 12፡49-54 ናብ ምድሪ ሓዊ ኽድርቢ እየ ዝመጻእኩ፡ ሓዊ ብሃይማኖት ይምሰል። ሓዊ ንቑጽን ርሑስን ፈልዩ ከም ዘንድድ፡ ሃይማኖት ድማ ኣብ ሓደ ስድራ ቤት ኣማንን ዘይኣማንን ዝፈሊ እዩ። ስለዚ ናብ ምደሪ ሓዊ ክኽዑ እየ ዝመጻእኩ ማለት፡ ሃይማኖት ኪምህር እየ ዝመጻእኩ ማለት እዩ።


“ሕጅስ ብጀካ ምንዳዱ እንታይ እደሊ ኣለኹ” ማለት ከኣ ሃይማኖት ክትንገር እንተ ዘይኮይኑ እንታይ እደሊ፧ ማለት እዩ። “ዝጥመቓ ጥምቀት ግና ኣላትኒ” ማለት ዝቕበሎ ሞት ኣሎኒ ማለት እዩ። “ክሳዕ እትፍጸም ከኣ እዕገሥ ኣሎኹ” ማለት ድማ ተሰቒለ ክሳዕ ዝመውት ሃይማኖት ካብ ምግላጽ እዕገሥ ኣሎኹ ማለት እዩ /ማቴ 16፡20-21 17፡9/።። /ትርጓሜ ቅዱስ ወንጌል ሉቃስ ገጽ 542/።

 ብተወሳኺ ሓዊ ናይ መንፈስ ቅዱስ ምሳሌ እዩ። ነቢይ ኤርሚያስ “ኣይክዝክሮን፡ ደጊምስ ብስሙ ኣይክዛረብን እየ፡ እኳ እንተ በልኩ፡ ኣብ ዓጻጽምተይ ተዐጽዩ፡ ኣብ ልበይ ከም ዚነድድ ሓዊ ዀነኒ። ክጽመሞ ተጋደልኩ፡ ግናኸ ኣይኰነለይን” ብምባል ዚጠቐሶውን ኣብ ውሽጡ ንዝነበረ መንፈስ ቅዱስ እዩ /ኤር 20፡9/። “መንፈስ ኣይተጥፍኡ “1ይ ተሰ 5፡19   “.ንምትጋህ ኣይትተሃከዩ፡ ብመንፈስ ተቓጸሉ፡ ንእግዚአብሔር ኣገልግሉ /ሮሜ 12፡11/ በቲ እተዋህበና መንፈስ ቅዱስ ፍቕሪ ኣምላኽ ኣብ ልብና ስለ ዝፈሰሰ፡ እታ ተስፋ ድማ ኣይተኅፍርን እያ” ዝብሉ ቓላት ብሓዊ ምንዳድ ብመንፈስ ምቅጻል ምዃኑ የረድኡና። ሓዋርያት ኣብ በዓለ ኃምሳ መንፈስ ቅዱስ እተመቓቐለ ልሳን ሓዊ ዚመስል ድማ ተራእዮም፡ ኣብ ልዕሊ ነነፍሲ ወከፎም ከኣ ተቐመጠ” ብምባል መንፈስ ቅዱስ ብኣምሳለ እሳት ዝወረዶም ድማ ነዚ እዩ /ግ.ሐ 2፡1-5/። 

ቅዱስ ጄሮም ድማ፦ “እዚ ኣብ ልቢ ሓዋርያት ኮይኑ ዘቃጽሎም ዚነበረን “እተን ጽሑፋት ኪትርጕመልና ከሎዶ ግዳ ልብና ይነደና ኣይነበረን፡” ከም ዝብሉ ዝገበሮምን እዚ ሓዊ እዚ እዩ /ሉቃ 24፡32/  ብምባል እዚ ክርስቶስ ዝኸዓዎ ሓዊ ኣብ ልዕሊ ክርስቲያን ካብ ጊዜ ጥምቀጥ ጀሚሩ ኪፈስስ ዚነብር መንፈስ ቅዱስ እዩ። 


No comments:

Post a Comment