bieteelyas.blogspot.com ቤተ ኤልያስ

Sunday 9 July 2017

ናብ እመቤተይ - 1


ናብ ኣዝየ ዘኽብረክን እግዚአብሔር ዚፈትወክን ዲያቆናዊት ኦሎምፒያስ! ኣነ ሊቀ ጳጳስ ዮሓንስ ሰላም እብለኪ።

(1) ነቲ ዘሣቕየኪ ዘሎ ሕማም ንኸህደኣልክን ነቶም ኣብ ርእስኺ ከም ደመና ከቢቦምኺ ዘለዉ ሓሳባት ንኸርሕቐልክን ንዒ! ንውሽጥኺ ዘጨንቖ ዘሎ እንታይ እዩ፧ ብመሪር ኃዘን ዝተተኃዝክን ልብኺ ዝተሰበረንከ ብምንታይ ምኽንያት እዩ፧ ብምኽንያት እቲ ኣብ ልዕሊ ቤተ ክርስቲያን ዝወረደ ኃያልን ጸሊምን ማዕበል ድዩ፧ ከምቲ ወርኂ ዘይብሉ ለይቲ ንዅሉ ነገር ጸልማት ስለ ዝኸደኖ፡ እዚ ድማ መዓልቲ መዓልቲ እናወሰኸ ስለ ዝኸደ፡ ኣዝዮም ኣሸገርቲ ዝኾኑ ኵነታት እናገደዱ ስለ ዝመጹን ንዓለም ድማ የጥፍኡዋን ስለ ዘለዉን ድዩ፧ እፈልጥ እየ፡ ኣነ ጥራይ ዘይኮንኩ ንስኺውን ትፈልጢ ኢኺ። እዚ ዋላ ሓደ ክኽሕዶ ዘይክእል ሓቂ እዩ። ካብዚ ንላዕሊ ዘኅዝን ነገር ክትፈልጢ እንተ ደሊኺውን ብዛዕባ እዞም ሕጂ ዝፍጸሙ ዘለዉ ነገራት ሥዕላዊ ብዝኾነ መገዲ ኪነግረኪ ይኽእል እየ። 

 እነሆ ሓደ ባሕሪ ካብ ውሽጡ ጀሚሩ ክናወጽ ከሎ፡ ሓደ ሓደ ሓምበስቲ ኣብ ልዕሊ እቲ ባሕሪ ሞይቶም፡ ገሊኣቶም በቲ ማዕበል ተሳዒሮም፡ ናይታ መርከብ ጣዋሉ ተፈናጪሎም፡ ጋንጽላታት ተቐዲዶም፡ እቶም ኣንቴናታት ተዓጻጺፎም፡ መጀለቢታት ካብ ኣእዳው እቶም ዝጅልቡ ወዲቖም ተሰባቢሮም፡ መራሕቲ መራኽብ ኣብ ውሽጢ መርከብ ተቐሚጦም፡ ኣእዳዎም ኣብ ክንዲ ብሶላ ዝኅዛ ከብዶም ሓቚፎም በቲ ዝገጠሞም ነገር ተስፋ ቖሪጾም እናስቆርቆሩ ኣምሪሮም እናበኸዩ፡ ነቲ ሰማይ ይኹን ነቲ ባሕሪ ብኣገባብ ምርኣይ እኳ ተሳኢኑዎም፡ ኵሉ ነገር ጸልሚቱዎም፡ ኣብ ጐድኖም ዘሎ ሰብ ምርኣይ ክሳዕ ዝስእኑ ኾይኖም ኣዝዩ ኣጨናቒ ዝኾነ ናይ ማዕበል ድምፂ ክድህሎምን፡ ኣዝዮም ዘፍርሁ ዓሣ ነባሪ በዝን በትን ከጥቅዕዎምን ንርእይ ኣሎና። 

 እንተኾነ ግና ነቲ ኽብጻሕ ዘይክእል ካብዚ ንላዕሊ ከመይ ገይረ ኽነግረኪ ይኽእል፧ ምኽንያቱ ዝኾነ ዓይነት ሥዕላዊ ኣገላልጻ ኣምጺአ እኳ እንተ ነገርኩኺ፡ ነዚ ሕጂ ኣብ ልዕሌና ዚወርድ ዘሎ ክፍኣት ብምልኣት ኪገልጽ ግና ኣይክእልን እዩ። እንተ ኾነ ግና ዋላ እኳ ነዞም መከራታት እዚኣቶም እንተ ረኣኹ - እቲ መራሒ መርከብ ነቶም ማዕበላት ብምድራዊ ጥበብ ዘርሕቕ ዘይኮነስ፡ ነቲ ምንውዋጽ ናይ ባሕሪ ብበትሩ ጸጥ ዘብል ስለ ዝኾነ - ጽቡቕ ነገር ኣይመጽእን እዩ ኢለ ተስፋ ኣይቆርጽን እየ። ዋላ እኳ ነዚ ገና ካብ መጀመርታኡ ብቕልጡፍ እንተ ዘይገበሮ ናቱ ባህርይ ከምዚ እዩ። ኣጨነቕቲ ንዝኾኑ ክፉኣት ነገራት ገና ካብ መጀመርታኦም ጸጥ ኣየብሎምን እዩ። 

 ኣዝዮም እናወሰኹን እናበዝኁን ምስ ከዱን ኣብቲ ዝለዓለ ጥርዚ ምስ በጽሑን ብዙኃት ሰባት ተስፋ ምስ ቆረጹን እዩ ንሱ ዝመጽእ። እወ! ሽዑ እዩ እግዚአብሔር ድንቂ ሥራሑ ዝጅምር።ብዘይገመትናዮ መገዲ ኃይሉ የርኢ፡ ነቶም መከራ ዝወርዶም ድማ ትዕግሥቲ ይምህሮም። ስለዚ ተስፋ ኣይትቑረጺ። ኦሎምፒያስ ጓለይ! እቲ ሓቀኛን ኣዝዩ ክፉእን ነገር ሓደ ጥራይ እዩ፡ ሓቀኛ ፈተና ሓደ ጥራይ እዩ፡ ንሱ ድማ ኃጢአት እዩ። ከምዚ እናበልኩ ኣጥቢቐ ምዝራበይ ድማ ፈጺመ ኣየቋርጽን እየ። ካልኦት ነገራት ግና ንኣብነት - ተንኮል፡ ጽልኢ፡ ምድንጋር፡ ሓሜት፡ ጸርፊ፡ ወቐሳ፡ ናትካ ዘይኮነ ነገር ናተይ ኢልካ ምኃዝ፡ ስደት፡ ዝተሳሕለ በሊሕ ጉራዴ፡ ኣብ ጕድጓድ ናይ ምድርባይ ሓደጋታት፡ ካብ ኵሉ ዓለም ዝመጽእ ውግእ ከምኡውን ንስኺ ሓደጋ ኢልኪ ኪትጽውዕዮም ትኽእሊ ካልኦት ኵሎም ነገራት ኣዝዮም ቀለልቲ ፈተናታት እዮም። ክብደት ናይዞም ነገራት እዚኣቶም ዋላ ኣዝዩ ከቢድ ይኹን ኃላፊ እዩ፡ ዝጠፍኡ እዮም፡ ነዚ መዋቲ ሰብነትና እኳ ክቐትሉ እንተ ኸኣሉ፡ ነቲ መንፈሳዊ መንነትና ግና ዋላ ሓንቲ ኺጐድኡዎ ኣይክእሉን እዮም። እቲ ቅዱስን ክቡርን ዝኾነ ጳውሎስውን፡ ንኸንቱነት ናይዚ ምስዚ ዓለምዚ ዚተኃኃዝ ኃዘን ይኹን ሓጐስ፡ ብሓደ ምሉእ ሓሳብ ኪገልጽ ከሎ ከምዚ ይብል፦ “እቲ ዚርአ ኃላፋይ እዩ እቲ ዘይርአ ግና ዘለዓለማዊ እዩ። ንሕና ኸኣ ኣብቲ ዚርአ ዘይኮነስ ኣብቲ ዘይርአ ኢና ንጥምት ዘሎና”/2ይ ቆሮ 4፡18/። 

 እሞኸ ደኣ ስለ ምንታይ ኢኺ ነዞም ከም ወኃዚ ማይ ዝኃልፉ ነገራት እትፈርሂ፧ ምኽንያቱ ናይዛ ዓለም ነገራት - ዜሐጕሱ ይኹኑ ዜኅዘኑ - ከምኡ ኃለፍቲ እዮም። ካልእ ናይ እግዚአብሔር ነቢይውን ነዚ ናይ ወዲ ሰብ ብልጽግና፡ ምስ ሣዕሪ እኳ ዘይኮነስ “ሰብ.. ኵሉ ኽብሩ ኸኣ ከም ዕምበባ መሮር እዩ” ብምባል ምስ ሓደ ደቂቕ ነገር የመሳስሎ። እቲ ነቢይ ከምዚ ኢሉ ክዛረብ ከሎ ዘትረፎ ነገር የልቦን። ምኽንያቱ ብዘይካ ሃብትን ሕንቃቐን ኣይበለን፡ ካብ ሥልጣን ወይ ካብ ክብሪ ወፃኢውን ኣይበለን። ብደቂ ሰባት ኣዝዮም ዝኸበሩ እዮም ተባሂሎም ካብ ዚሕሰቡ ናይ ኵሎም ነገራት ክብሪ ብዝብል ኣገላልጻ ጥቕልል ኣቢሉ “ዅሉ ክብሩ ኸኣ ከም ዕምበባ መሮር እዩ” ደኣ በለ /ኢሳ 40፡6/።

(2) “መከራ ግና ኣዝዩ ኸቢድን ንኽትፃወሮ ድማ ዘሸግርን እዩ” ክትብሊ ትኽእሊ ኢኺ። እንተ ኾነ ግና እዚውን ምስ ካልእ ነገር ተናጻጺሩ ከመይ ከም ዝኾነን ማዕረ ኽንደይ ዝተናዕቀን ምዃኑ ተመልከቲ። ምኽንያቱ ማእሰርቲ፡ ጸርፊ፡ ነቐፌታ፡ ካብ ጸላኢ ዝመጹ ብደዐታትን ላግጽን ከምኡውን ተንኮላት ምስቲ ዝኣረገ ኽዳንን ፍልሖ ዝበልዖ ጸምርን ተናጻጺሮም ኣለዉ። እግዚአብሔር ከምዚ ይብል ኣሎ፦ “ኣቱም ጽድቂ እትፈልጡ፡ ኣቱም ኣብ ልብኹም ሕገይ ዘሎኩም ሕዝቢ ስምዑኒ፡ ላግጺ ሰብ ኣይትፍርሁ ብጸርፎምውን ኣይትሰምብዱ። ከመይ ፍልሖ ኸም ክዳን ኪበልዖም ብልዒ ኸም ጸምሪ ኪበልዖም እዩ፡ ጽድቀይ ግና ንዘለዓለም ምድኃነይ ድማ ንውሉድ ወለዶ ኪነብር እዩ” /ኢሳ 51፡7-8/። 

 ስለዚ በዞም ሕጂ ዝፍጸሙ ዘለዉ ብዋላ ሓደ እኳ ኣይትሸገሪ፡ እኳ ደኣ ናይ ዝኾነ ሰብ ረድኤት ምጽባይን ደድኅሪ ጽላሎት ምጉያይን ገዲፍኪ፡ ናይቲ ብዘይ ምቁራጽ ተገልግልዮ ዘለኺ  ናይ ጐይታናን ናይ መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ስም ተንበርኪኽኪ ጸውዕዮ፡ ኣብ ውሽጢ ሓጺር ጊዜ ድማ እዞም መከራታት ኵሎም ኪኃልፉ እዮም። 

 ዋላ እኳ ስሙ እናጸዋዕኺ እዞም መከራታት እንተ ዘይኃለፉ፡ ኣብ ላዕሊ ኣቐዲመ ከም ዝገለጽኩልኪ ናይ እግዚአብሔር ባህርይ ከምዚ እዩ፦ ንመከራታት ገና ኣብ ምምጽኦም (ኣብ ምጅማሮም) ኣየርሕቖምን እዩ። ንሱ እቶም መከራታት ኣብቲ ዝለዓለ ደረጃ ምስ በጽሑን ጸላኢ ድማ ኣለኒ ዝብሎ ናይ ተንኮል ሥራሑ ሠሪሑ ምስ ወድአን እዩ ዝመጽእ። ሽዑ እግዚአብሔር ንዅሉ ነገር ናብ ፍጹም ዝኾነ ጸጥታን ምርግጋእን ይቕይሮ፡ ናብ ኣዝዩ ንኣእምሮ ደስ ዘብል ሰላም ይቕይሮ። ምኽንያቱ እግዚአብሔር ንነገራት ናብ ጽቡቕ ዝልውጦም በቲ ንሕና ንሓስቦ መገዲ ጥራይ ዘይኮነስ ካብቲ ንሕና ዝሓሰብናዮ መገዲ ወፃኢውን ይቐያይሮም እዩ። 

 በዚ ምኽንያት እዚ ድማ እቲ ፍቱው ጳውሎስ ከምዚ በለ፦ “ሕጂ ኸኣ በቲ ኣብ ውሽጥና ዚዓዪ ኃይሊ ገይሩ ካብቲ ንሕና እንልምኖን እንሓስቦን ዘበለ እምብዛ ኣዕዚዙ ኺገብር ዚከኣሎ ኣምላኽ ካብ ዘለዓለም ንዘለዓለም ንዅሉ ወለዶታት ብቤተ ክርስቲያንን ብክርስቶስ ኢየሱስን ክብሪ ይኹኖ ኣሜን” /ኤፌ3፡20/። ንኣብነት ንሠለስቱ ደቂቅ ገና ናብ ሓዊ ቕድሚ ምድርባዮም ኬድኅኖምዶ ኣይምኸኣለን እዩ፧ ይኽእል እምበር፡ ጽቡቕ ገይሩ ይኽእል! እንተ ኾነ ግና ከምኡ ኣይገበረን፡ ናብቲ ዓቢይ መከራ ተመኃላሊፎም ከም ዝወሃቡ ደኣ ገበረ። ስለ ዝኾነ ድማ ናብ ኢድ ኣረማውያን ተመኃላሊፎም ከም ዝወሃቡ፡ መጠን ሓዊ ናይቲ እቶን ክንድዚ ይኣክል ኢልካ ክዕቀን ክሳዕ ዘይክእል ሃልሃል ክብልን፡ ናይቲ ንጉሥ ቊጥዓውን ካብቲ ሓዊ ንላዕሊ ኽነድድን፡ ኣእዳዎምን ኣእጋሮምን ብኃይሊ ክእሰርን ንሳቶም ባዕላቶም ናብቲ እቶን ሓዊ ኽኣትዉን ፈቐደ። ኣብ ዙርያኦም ኮይኖም ዝዕዘቡዎም ዝነበሩ ኵሎም ሰባት “እዋይ! እዞም መንእሰያት ሕጂስ ኣኺልዎም እዩ፡ ክድኅኑ ኣይክእሉን እዮም” እናበሉ  ተስፋ ምስ ቆረጹ ግና፤ ሃንደበታውን ኪእመን ብዘሸግር ነገርን ኃይሊ ናይቲ ገባሬ ተአምራትን ጠቢበ ጠቢባንን ዝኾነ እግዚአብሔር ተራእየ፡ ኣዝዩ ዓቢይ ብዝኾነ መገዲውን ተገልጸ።

 ሽዑ እቲ ሓዊ ንባዕሉ ተኣስረ፡ ተኣሲሮም ዝነበሩ መንእሰያት ድማ ተፈትሑ። እቲ እቶን ናይ ጸሎት ቤተ መቕደስ ኮነ፡ እወ እቲ እቶን ዓይኒ ማይ ኮነ። ካብ ቤተ መንግሥቲ ንላዕሊ ኣዝዩ ዘፍርህ ግርማ ሞገስ ዘለዎ ኾነ፡ ጸጕሮም እኳ ካብ ሓፂንን ካብ እምንን ንላዕሊ ተሪሩ ኣብቲ ዝባላዕ ሓዊ ብርትዑን ጽኑዕን ኮነ። ኣብ ማእከል እቲ እቶን ሓዊ ድማ ኣዕጽምቲ ዘጥልል ተሰሚዑ ዘይፈልጥ፡ ንዅሉ ፍጥረት ናብኡ ዝዕድም ሓድሽን ፍሉይን ምስጋና ካብቶም ቅዱሳን መንእሰያት ተሰምዐ።

 ዋላ እኳ ኣብ ማእከል እቶን ሓዊ እሱራት፡ ኣብ ክፉእ ዝኾነ ናይ ጸላእቶም ተንኮል፡ ካብ ትውልዲ ሃገሮም ተሰዲዶም፡ ናጽነት ዘይብሎም ምሩኻት፡ ካብ ከተማኦምን ካብ ቤቶምን ርሒቖም ዝካላበቱ፡ ኣብ ናይ ባዕድን ኣረሜናውያንን መሬት ዘለዉ መጻእተኛታት እንተ ኾኑ፡ ስብሐተ እግዚአብሔር ደስ ብዘብል ዜማ ዓው ኢሎም ዘመሩ፡ ምኽንያቱ እቲ ዘመስግና ልቢ ከምዚ ገይሩ እዩ ናይ ምስጋና ቓላት ዘፍስስ። ናይ ጸላእቶም ናይ ተንኮል ሥራሓት ምስ ተወድኡ፡ ድኻም ናይዞም ናይ እምነት ሓርበኛታት ምስ ተወድአ፡ ሽልማቶም ምስ ተዳለወ፡  ኣዝዮም ፍሉጣት ንኽኾኑ ዚገብሩዎም ነገራት ምስ ተፈጸሙ፡ እቲ መከራ ፍጻሜ ረኸበ። እቲ ሓዊ ንኽእጎድን እቶም መንእሰያት ናብቲ እቶን ሓዊ ንኽድርበዩን ዝኣዘዘ ንጉሥ ንባዕሉ ነዞም ቅዱሳን ናይ እምነት ሓርበኛታት ከም ዘመስግን ኮነ፡ ናይ እግዚአብሔር ድንቂ ሥራሕ ከም ዝእውጅ ውን ኮነ። ንሱ ባዕሉ ነቲ ገባሬ መንክራት ዝኾነ እግዚአብሔር ዝገበሮ ተኣምራት ምስክር ከም ዝኾነ ዝገልጽ ደብዳቤ ናብ ኵሉ ዓለም ዘርግሐ። ዋላ እኳ ንሱ ባዕሉ ናይቶም መንእሰያት ቀንዲ ጸላእን ተቓዋምን እንተ ነበረ፡ ዝጸሓፎ ደብዳቤ ግና ዝኾነ ዓይነት ጸላኢ ክጠራጠሮ ዘይኽእል ኮይኑ ተረኽበ። 

(3) እሞኸ ብዝኂ ጸጋ እግዚአብሔርን ሃብቱንዶ ትዕዘቢ ኣሎኺ፧ ንጥበቡን ከምዚ እዩ ኢልካ ኪትዛረበሉ ዘይትኽእል ኃይሉን: ፍቕሩን ከምኡውን ንሓለዋኡ ትዝክርዮዶ፧ ስለዚ ስለ ዅሉ ነገር ንእግዚአብሔር ምስጋናን ውዳሴን ልመናን  ምሕጽንታን ደኣ ኣቕርቢ እምበር ብፍጹም ኣይትፍርህን ኣይትሸገርን። ዋላ እኳ ቊጽሪ ዘይብሎም መከራታትን ሽግራትን ኣባኺ እንተ ወረዱ፡ ዋላ እኳ ማዕበላት ኣብ ቅድሜኺ እንተ ተጋላበጡ፡ እዚኣቶም ዋላ ሓንቲ ኣየጨንቑኺ። ምኽንያቱ ኣምላኽና በዞም ነገራት እዚኣቶም ኣይርበሽን እዩ። ንዝወደቑ ምትንሣእ ኣብ ጌጋ መገዲ ንዘለዉ ምምላስ፡ ብመጻወድያ ንዚተታኅዙ ናጻ ምግባር፡ ኪቚጸር ዘይክእል ኃጢኣት ንዝሠርሑውን ካብ ኃጢአቶም ናጻ ኼውፅኦምን ኣውፂኡ ድማ ቅዱሳን ኪገብሮምን፡ ንዝሞቱ ከተንሥኦም፡ ንዚተመራስሑ ብዜደንቕ ኵነታት ንጹሓን ኪገብሮም፡ ነቶም ኣሪጎም ዝጠፍኡ ድማ ደጊሙ ሓደስቲ ኺገብሮም ይኽእል እዩ። ንፍጥረታት ካብ ዘይ ምምባር ናብ ምምባር ምምጻእ ካብ ተኻእሎ፡ ኣቐዲሞም ኣብ ዝኾነ ይኹን ቦታ ተራእዮም ዘይፈልጡ ነገራት ኣምጺኡ ህልውና ኪህቦም ዝኽእል እንተ ኾይኑ፡ ነቶም ካብ ጥንቱ ህልውና ዚነበሮም እሞ ዝተበላሸዉ ነገራት ንምዕራይ ደኣ ከመይ ዘይከኣሎ፧ እንተ ኾነ ግና “ብዙኃት ዝጠፍኡ ነገራት ኣለዉ፡ ብመጻወድያ ዝተታኅዙውን ብዙኃት እዮም” ክትብሊ ትኽእሊ ኢኺ። እፈልጥ እየ! ብኸምዚ ዝጠፍኡ ነገራት ብዙኃት ከም ዝኾኑ ዘይከሓድ ሓቂ እዩ። እንተ ኾነ ግና፡ ዋላ እኳ ሓደ ሓደ ኪጽገን ብዘይክእል መገዲ ዝወደቑ እንተ ኾኑ፡ መብዛኅትኦም ግና ድኅሪ ምጥፋኦም እኳ እንተ ኾነ ናብ ናይ ቀደም ሕይወቶም ተመሊሶም እዮም። ሓደ ክፉእ ሰብ ናጻ ኾይኑ ካልእ ሕያዋይ ሰብ ግና መከራ ኪበጽሖ እንከሎ ርኢኺኸ ስለ ምንታይ ኢኺ ትሽገርን ትጭነቕን፧ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ተሰቒሉ እዩ፡ እቲ ሽፍታ ዝነበረ በርባን ግና ተፈቲሑ። እቲ ሓሳዊ ሕዘቢ ነቲ መድኃኒትን ናይ ኵሉ ረዳእን ዝኾነ ክርስቶስ ሰቒሉ፡ እቲ ሽፍታ ንኽፍትሓሉ ጨዲሩ እዩ። 

 በዞም ነገራት እዚኣቶም ዝተሰናኸሉኸ ክንደይ ሰባት ይመስለኪ፧ እወ ክንደይ ሰባት እዮም ጠፊኦም፧ እንተ ኾነ ግና ሕጂውን ካልእ መከራኸሪ ሓሳብ ከቕርበልኪ ይግብኣኒ እዩ። እቲ ዝተሰቐለ ክርስቶስ ጌና ብሕፃኑ ዝተሰደደዶ ኣይኮነን፧ ጌና ብሕፃኑ እንከሎ ምስ መላእ ቤተ ሰቡ ነቲ ነዊኅን ኣድካምን ጕዕዞ ብምፍላም ናብ ባዕዲ ሃገር - እኳ ደኣ ናብ ምድሪ ኣረማውያንዶ ኣይተሰደደን እዩ፧ ናቱ ስደት ድማ እቶም ጨካናትን ቀተልቲ ነፍስን ከምቶም ኣብ ዓውደ ኲናት ረኺቦም ዝቐተሉዎም ጸላእቲ፡ ነቶም ጌና ኣብ ናይ ዕምበባ ዕድመ ዝነበሩ ሕፃናት ክሳዶም ቆሪጾም ከም ዚድርብይዎምን፡ ደሞም ከም ውኂዝ ከም ዝውኅዝን ገበረ።

 ሕፃናት ካብ ጡብ ኣዲኦም እናተመንጠሉ ከም ዝሞቱ ገበረ። ዚጠበውዎ ጡብ ጌና ካብ ጎሮኦም ከይወረደ፡ ክሳዶም ብሰይፊ ከም ዝቕርደዱ ገበረ። ካብዚ ንላዕሊ ኣሰቃቕን ዘኅዝንን ነገር እሞ እንታይ ኣሎ፧ ነዚ ዝገበረ ንጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ንምቕታል እዩ። እቲ ዕጉሥ ዝኾነ እግዚአብሔር ግና ዋላ እኳ ኸምዚ ንኸይከውን ናይ ምግባር ኃይሊ እንተ ነበሮ፡ እቲ ብደቂ ሰባት ኪምርመር ዘይክእል ሓሳቡ ግና ነዚ ደም እዚ ከም ዚፈስስ ንዝገበረ ዘኅዝን ጭካነ ተዓገሦ። 

 ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ካብዚ ናይ ባዕዲ ሃገር ተመሊሱ ምስ ዓበየውን ብዅሉ ሸነኽ ሓዊ ተኣጕድሉ ነበረ። ብመጀመርታ ናይ መጥምቀ መለኮት ቅዱስ ዮሓንስ ደቀ መዛሙርቲ ቀንኡሉ፡ ዋላ እኳ ዮሓንስ ንባዕሉ ንጐይታ የኽብሮ እንተ ነበረ፡ ደቂ መዛሙርቱ ግና፦ “መምህር! እቲ ኣብ ማዕዶ ዮርዳኖስ ምሳኻ ዝነበረ ንስኻውን ዝመስከርካሉ እነሆ ንሱ የጥምቕ ኣሎ፡ ኵሎም ከኣ ናብኡ ይኸዱ ኣለዉ” ብምባል ንጐይታና ኪቐትሉዎ ሓሲቦም ነበሩ /ዮሐ 3፡26/። 

 እዞም ኃይለ ቃላት እዚኣቶም እቶም ተበሳጭዮም ዝነበሩ ሰባት ብጽልኢ ተመሊኦም ዝተዛረቡዎም ቃላት እዮም። ብዛዕባዚ ተመሳሳሊ ምኽንያት ነዞም ቃላት እዚኣቶም ተዛሪቡ ዝነበረ ሓደ ካብ ደቀ መዛሙርቱ ምስ ሓደ ሓደ ኣይሁዳውያን ብዛዕባ ምንጻሕ ተኸራኸሩ፡ ናይቲ ሓደ ጥምቀት ምስ ናይቲ ሓደ - ማለት ናይ ዮሓንስ ጥምቀት ምስ ናይ ክርስቶስ ደቀ መዛሙርት ጥምቀት - ብምውድዳር ተኸራኸሩ። “ሽዑ ኣብ መንጎ ደቀ መዛሙርቲ ክርስቶስን ሓደ ኣይሁዳውን ብዛዕባ ሥርዓት ምንጻሕ ክርክር ተላዕለ” ከም ዝብል /ዮሐ 3፡25/። 

 ጐይታና ተኣምራት ምግባር ኣብ ዚጀመረሉ ጊዜ እሞ ኸኣ ክንደይ ዝወቕሱዎ ሰባት እዮም ነይሮም! “ንስኻ ሳምራዊ ኢኻ፡ ጋኔንውን ኣሎካ” ከም ዝብል “ብገሊኣቶም ሳምራዊ ኢኻ፡ ብገሊኣቶም ድማ ጋኔን ኣሎካ” ተባህለ /ዮሓ 8፡48፧። “ንሕዝቢ እባ ደኣ የስሕት ኣሎ” ከም ዝብልውን መስሓቲ በሉዎ /ዮሓ 12፡7/። ገሊኣቶም “ንኣጋንንቲ ብሓለቓ ኣጋንንቲ የውፅኦም ኣሎ” በልዎ /ማቴ 9፡34/። ከምዚ እናበሉ ንጐይታና ደጋጊሞም ጸረፉዎ። “ናይ እግዚአብሔር ተቓዋሚ እዩ” ተባህለ። “ዚበልዕን ዚሰትን ወዲ ሰብ እንተ መጸ ኸኣ ‘እነሆ በላዕን ሰታይ ወይንን ፈታው ተቐበልቲ ቐረጽን ኃጥኣንን ትብሉ” ከም ዝብል በላዒ፡ ሰታዪ፡ ንኃጢአተኛታትን ተቐበልቲ ቐረጽን ዚፈቱ ተባህለ /ሉቃ 7፡34/። 

 ምስታ ዘማዊት ዝነበረት ሰበይቲ ኽዛረብ ከሎ ድማ፡ ሓደ ሰብ “እዚ ነቢይ እንተ ዝኸውንሲ እዛ ትትንክዮ ዘላ ሰበይቲ ኃጥእ እያ እሞ እንታወይትን ከመይ ዝበለት ከም ዝኾነትን ምፈለጣ ነይሩ” ከም ዝበለ ሓሳዊ ነቢይ በልዎ /ሉቃ 7፡39/። ኣብ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ኣስናኖም ይሕርቅሙሉ ነበሩ። ዝተቓወምዎ ኣይሁድ ጥራይ ኣይኮኑን፡ እቶም ኣኅዋቱ ተባሂሎም ዝተቖጸሩ እኳ ኣይፈትዉዎን ነበሩ። ካብ ገዛእ ቤተ ሰቡ ከይተረፈውን ተቓውሞ ገጢሙዎ እዩ። ወንጌላዊ ነዚ ኣመልኪቱ ዝተዛረቦ ስምዒ፦ “ኣኅዋቱ ከምዚ ዘበሎም ድማ ብኡኡ ዘይኣምኑ ስለ ዝነበሩ እዮም” /ዮሓ 7፡5/።

No comments:

Post a Comment