bieteelyas.blogspot.com ቤተ ኤልያስ

Sunday 18 June 2017

12 ሰነ በዓል ናይ ቅዱስ ሚካኤል

በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላኽ ኣሜን።

 “መልኣኽ እግዚኣብሔር ኣብ ዙርያ እቶም ዝፈርህዎ ይሰፍር ካብ ድንገት ካኣ የናግፎም” (መዝ34፡7)

 ቅዱስ እግዚኣብሔር ኣምላኽና ኣብ ልዕሌና ዘሎዎ ፍቕርን ሓልዮትን  ብቐለም ተጻሒፉ ብቃል ተዘሪቡ ዝውዳእ ኣይኮነን።ኣዝዩ ብዓይነትን ብብዝሕን መጠን ኣልቦ ዝኾነ  ሰናይ ነገራት እዩ ኣብ  ሂወትና  ዝፍጽመልና። ካብቲ ብዙሕ ፡ንቅዱሳንመላእኽቲ እና ለኣኸ ኣብ ልዕሌና  ዝፍጽሞ ናይ ድሕነት ስራሕ እዩ።ቅዱስ ልቢ ኣምላኽ ዳዊት ከም ዝገለጾ  ቅዱሳንመላኽቲ ኩሉ ግዜ ብዘይ ምቁራጽ ንድሕነትና ዝለኣኹ ረቀቕቲ መናፍስቲ እዮም።(እብ1፡14)።በዚ መንጽር እዚ ካኣ ንእግዚኣብሔር ኣምላኽ ቅዱስ ቅዱስ ቅዱስ እና በሉ የመስግንዎ፡ይውድስዎ ንዓና ንደቂ ኣዳም ካኣ ብጸሎት ፡ብረድኤት፡ብሓለዋ፡ ዝድግፉና እዮም።(መዝ34፡7, ዘፅ3፡21, ት፣ዳኒ 3፡6,ማቴ4፡6-11) 

ኣብ መጽሓፍ ቅዱስና እንተዳኣ ተመልኪትና ኣዝዩ ስፍሕ ብዝበለ መልክዑ ናይ መላእክት ስራሕን ዕዮን ብግልጺ ንረኽቦ ኢና።ብዙሓት ሰባት ብናይ መላእኽቲ ጸሎት፡ኣማላድነት ፡ተራድእነት ካብ ሽግር ፡ካብ ጸበባ፡ካብ ሕማምን ድነ ሞትን ተጋላጊሎም  ንእግዚኣብሔር ከመስግኑ በቒዖም እዮም።

ንኣናንያ ፡ኣዛርያ፡ሚሳኤል ካብ እቶን ሓዊ (ዳኒ6፡22)፣ ንቅዱሳን ሃዋርያት ካብ ቤት ማእሰርቲ(ግ፣ሃዋ5፡19,12፡11)ንጦብያን ጦቢትን ካብ መከራን ሽግርን (መጽ፣ጦቢት 12፡18)፡ንእስራኤላውያን ኣብ ባሕሪ ኤርትራ ዘናገፉን ዘድሓኑን ዝረድኡን ቅዱሳን መልእኽቲ እዮም ።ብኣንጻሩ ዝተዋህቦም ክብርን ስልጣንን ንዒቖም ዝኸዱ ሰባት ካኣ ተቐጽዑ እምበር ሂወት ክረኽቡ ኣይተራእየን።(ሉቃ1፡19, ዘፅ3፡20, ዘሁ22፡33, 2ሳሙ24፡15, 2ነገ19፡31, ግ፣ሃዋ12፡20-23)

ስለዚ ብሓፈሻ እምበኣር ቅዱሳን መላእኽቲ ኣብ ሂወትና ዓቢ ተራ ከም ዘለዎም ክንፈልጥን ክንግንዘብን ይግባኣና።

ሓደ ካብቶም ቅዱሳን መላእኽቲ እምበኣር ቅዱስ ሚካኤል ሊቀ መላእኽቲ እዩ።
ሚካኤል ማለት  ብቋንቋ እብራይስጥ ‘’መኑ ከመ እግዚአብሔር’’ መን ከም እግዚአብሔር ማለት እዩ።ናይ እግዚኣብሔር ልዕልናን ክብርን ዝገልጽ እዩ።ከምቲ ንነቢይ ሙሴ ዝተዛረቦ እግዚኣብሔር “ስመይ ኣብኡ ተሰምዩ እዩ እሞ በደልካ ኣይክሓድገልካን እዩ” (ዘጽ23፡22) ዝበሎ ፡ቅዱስ ሚካኤል ስም እግዚኣብሔር ዝሓዘ እዩ።ከመይ ትርጉም ስሙ መን  ከመ እግዚኣብሔር ሰለዝኾነ።

ቅዱስ ሚካኤል ሓለቃ መላእክት ምኳኑ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ብዙሕ  ቦታታት ገሊጽዎ ይርከብ።ከም ኣብነት ኢያሱ ኣብ ጥቓ ኢያሪኮ፨ከሎዝተመልሐ ሰይፍ ዝሓዘኮይኑ  ተገልጸሉ’ሞ ኢያሱ ድማ “ንስኻ ናትና ዲኻ ውይስ ናይ ጸላእትና ’’ በሎ።ንሱ ድማ “ኣነ ስሓለቃ ሰራዊትእግዚአብሔር ኮይነ ደኣ ሕጂ መጺኤ ኣለኹ” በሎ።ብድሕሪኡ ኢያሱ ኣብ ቅድሚ እቲ መልኣኽ ተደፊኡ ሰገደሉ ኢያ5፡14-15።

ብተወሳኺ ይሁዳ ኣብ ዝጸሓፎ መጽሓፍ ኣብታ ሓንቲ ምዕራፉ እንተ  ተመልኪትና ሊቀ መላእኽቲ ቅዱስ ሚካኤል ብዛዕባ ሬሳ ሙሴ ምስዲያብሎስ ከም ዝተካራኸረ ኣብ ልዕሊ ቅዱሳን መላእኽቲ ዝተሸም ከም ዝኾነ ነንብብ።ይሁድ 1፡9 ቅዱስ ዮሐንስ ኣብ መጽሓፉ ኣብ ራእይሚካኤልን መላእኽቱን ብምባል ሓለቓ ቅዱሳን መላእኽቲ ከም ዝኾነ ተጻሒፉ ንረኽብ።ራእይ12፤7።

ከምቲ ዝተገልጸ ቅዱስ ሚካኤል’ውን ከም ኩሎም ቅዱሳን ኣብ ሂወትና ዓቢ እጃም ዘለዎ እዩ።ቀደም እውን እንተኾነ ንቅዱሳን መላእኽቲ መሪሑ ነቲ ኣምላኽነት ዝደለየ ሳጥናኤል ዝሰዓረ ቅዱስ ሚካኤል እዩ።(ራእ12፡7-8)

እስራኤላውያን ቅድሚ ንግብጺ ገዲፎምናብ ሃገሮም ናብታ እግዚኣብሔር  ዘተስፈዎም ሃገር ቅድሚ ምብጋሶም እግዚኣብሔር ዝሃቦም እንተ ኔይሩ ቃል ናይቲ መሪሕዎም ዝኸይድ ዝነበረ ቅዱስ ሚካኤል ምስማዕ እዩ ነይሩ ።እዚ ካኣ ንኾንቱ ዘይ ኮነስ ብሰላምን ብጥዕናን ጸላእቶም እና ተዋግኤ ብህድኣት መታን ከእትዎም እዩ።“ኣብ  መንገዲ  ኽሕልወካ  ናብቲ   ዘዳለኹዎ  ቦታ ድማ  ከእትወካ  እንሆ  ኣነ  መልኣኸይ ቀቂድሜኻ ይልእኽ  ኣለኹ።ኣብ  ቅድሚኡ  ተጠንቀቕ! ድምጹ  ከኣ  ስማዕ፡እምቢ  ኣይትበሎ  ስመይ  ኣብኡ  ተሰይሙ  አዩ  እሞ  እዩ” ከም ዝበለ፡እዚ እንተገሮም፡ብረዲኤቱን ኣምላኽ ብዝሃቦ ስልጣንን እንተ ኣሚኖም ብሰላም ክኸዱን ክኣትዉን እምቢ እንተ በሉ ግን ሞትን መቕጻዕትን ከም  ዘለዎም ተነጊርዎም እዩ።(ዘጽ23፡20) በኸምዚ ካኣ ቅዱስ ሚካኤል ብረድኤትን ብብረኸት እናጋሰየ ንባሕሪ ኤርትራ ኣሳጊሩ ካብ ሰማይ መና እና ኣውረደ ናብታ እግዚኣብሔር ንኣብርሃም ዘተስፈዎ ከንኣን ኣብጽሖም።

“ዝኬ  ውእቱ  ዘተነግረ  በመዋዕለ ትካት  ለእስራኤል  ህብስተ  መና  ዘኣውረደ  በገዳም  ወርእየቱ  ከመ  ተቅዳወ ከመ ኣያያት  መዓር  ጥዑም  ፈድፋደ”

“ሚካኤል  እመላእክቲ  መኑ  ከማከ   ልዑል፡ይሰግድ  በብረኪሁ   እስከ  ይረክብ  ስርየት   ለኃጥኣን” 

ኢሎም ከም ዝደረስሉ ቅዱሳን ናይ ቤተ ክርስቲያን ሊቃውንቲ ፡እቲ ሓያል መልኣኽ ቅዱስ ሚካኤል ብዓል ዓቢ ውዕለት እዩ። ንሎሚ እምበኣር በዚ ዕለት እዚ ቅዱስ ሚካኤል ዝገበሮ ተኣምር ክንርኢ ኢና።እንተ ኾነ ግን ኩላትና ደቂ ኦርቶዶክሳዊት  ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ናይ ቤተ ክርስቲያና በዓላት ፡ኣጽዋማት፡ኩሉ ብሓፈሻ ኣብ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ዝርከብ ናትና ሃብትናን ታሪኽናን እዩ።ካባና ሓሊፉ እውን ዝምልከቶ ማንም ስለ ዘየለ  ኣብ እግሪ ኣቦታትና ኮፍ ኢልና ክንመሃር፡መጻሕፍትና ገንጺልና ክነንብብ፡ኣብ ኩሉ ናይ ቤተ ክርስቲያን መደባት ተሳቲፍና  ናይ ሃይማኖትና ነገር ካብ ዝደቐቐ ክሳዕ ዝዓበየ ክንፈልጦን ክነግረሉን ክነብረሉን ይግባእ።እዚ ክንገብር ቅዱስ እግዚኣብሔር ናቱ ቅዱስ ፍቓድ ይኹን ኣሜን። ንሕጂ እምበኣር ናብቲ ናይ ዕለቱ ክንሓልፍ።

ዕረፍታ ናይ ቅድስት ኣፎምያ

ሃገራ ኪልቅያ እዩ።በዓል ቤታ ኣስተራኒቆስ ይበሃል። ቅድሚ  ብሕሞም ካብዛ ዓለም ምፍላዩ ናይኪልቅያ መስፍን ነበረ።እዛ ቅድስት ኣደ ሰብኣያ ምስ ሞተ ዝነበራ ሃብትን ንብረትን እና ሸጠት ፡ካብቲ ዝሸጠቶ ድማ እና መጽወተት ብጸምን ብጸሎትን ተወሲና፡ብንጽህናን ብቕድስናን ትነብር ነበረት። እንተኾነ ከምቲ ቅዱስ ሃዋርያ ጴጥሮስ ኣብ መልእኽቱ ገሊጽዎ ዘሎ ፡ሰይጣን ኣብ ዙርያና ኮለል ካብ ምባል ኣየዕርፍን እዩ፡ንሕና ካብ ግብሪ ጽድቂ ኣብ ዘዕረፍናሉን ኣብ ዝደኽምናሉን ግዜ ካኣ ኣብ ትሕቲ ግዝኣቱ ንኸውን ብኣንጻሩ ኣብ ሃይማኖት ኬንና እንተ ተቓወምናን እንተ ጸናዕና ግና ነቲ ንዓና ክምንጥል ኢሉ ኣብ ዙርያናዝዘውር ዲያብሎስ ፈጺሙ ካባና  ይርሕቕ ።(1ጴጥሮስ5፡8)።
ነዛ ቅድስት ኣደ ዘጋጠማ እምበኣር እዚ እዩ ኔይሩ።ኣብ ሃይማኖት ጸኒዕካ ኣንጻር ሰይጣን  ምቓምን ወይ  ብሓሳባቱ ተዳናጊርካ ኣሜን ኢልካ ከም ሄዋን ምቕባልን እዩ ኔይሩ።ነገሩ ከመይ እዩ ምስ እንብል ፡እንሆ ንሳ ብእትገብሮ ዝነበረት ተጋድሎ —ጾም ፡ምጽዋት ፡ጸሎት ዝተቓጸለ ሰይጣን ብብዙሕ ሕብረ መክዕ ከስሕት ኢሉ ናብ ሰባት ከም ዝመጽእ  ናብዛ ቅድስት ኣደ እውን ሓደ ዓቢይን ኣረጊትን መኖኮስ መሲሉ  መኖኮሳት ኣኸቲሉ እዩ መጺእዋ።ኣቐዲሙ ኣብ ደገ ኮይኑ ጸውዓ።ንሳ ካኣ ካብ ቤታ ብቕልጡፍ ወጺኣ ” ናብ  ቤተይ እተዉ እሞ ኣብ ቅድሚ ናይ ቅዱስ ሚካኤል ስእሊ  ኬንኩም ጸልዩለይ ” በለቶ።ንሱ ግን “ንሕናስ ንግሆ ጸሊና ኢና ንስኺ ግን  እዚ ኩሉ ጾምን ጸሎትን እንታይ ክገብረልኪ እዩ፧ ድሕሪ ብዙሕ ግዜ ከም ዝቐትለኪ ኣይትፈልጥን ፧ ዝነበረኪ ሃብቲ ሸጥኪ ዝወዳእክዮ ኸ ስለምንታይ ኢኺ፧ ኣብ መጨረሽታ ምስ ደኸምኪ ዝሕግዘኪ ጸዊዕክዮ ዝረድኣኪ ውላድ የብልክን ካልኣይ ግዜ ምምርዓው፡ሰብኣይ ምእታው ሓጥያት መሲሉኪ፧ በዓል ዳዊት ፡በዓል ኣብርሃም ካብ ብዙሓት ኣንስቲ ብዙሓት ውላድ ኣይወለዱን ድዮም፧ሕጂ እምበኣር ቤት ዝሰርሓልኪ፡ዝኣልየኪን ዝለኣኸክን ወዲ የድልየኪ እዩ እሞ ሰብኣይ ኣእትዊ ፡ስለዚ ሐራይ በልኒ”በላ። ነዚ ቃል ዝሰምዔት እዛ ቅድስት ኣደ “ኣባ እስኬማስ ሰናይ ወቃልከሰ እኩይ-ኣባ ኣስኬማኹም ( ቆብዕኩም) ጽቡቅ ኔይሩ እንተዘረባኹም ግን  ክፉእ እዩ። ስለዚ እቲ ሓሳብ  ናይ መን ከምዝኾነ ተገንዚባ ናብ ቤት ውሽጢኣትያ ናይ ቅዱስ ሚካኤል ስእሊ ኣምጺኣ ኣርኣየቶ እሞ እንሆ  “ጽንሒ 12 ሰነ መጺኤ ምስቲ ስእሊ ጌይረ ከጥፍኣኪ እየ ” ኢልዋ በኒኑ ከደ።

12 ሰነ ንግሆ ፡ብርሃናዊ መልኣኽ ቅዱስ ሚካኤል መሲሉ መጺኡ ጾምክን ጸሎትክን ስግደትክን ምጽዋትክን ዓሪጉልኪ እዩ፡ ኣብ ዝሓለፈ ግዜ መጺኤ ከጥፋኣኪ እየ ከምዝበለ ሰሚዔ ከድሕነኪ መጺኤ ኣለኹ ስገድለይ በላ።ንሳ  ኻኣ መን ኢኻ፧ በለቶ።ንሱ መሊሱ ኣነ ቅዱስ ሚካኤል መልኣኽ እየ ክብል ብሓሶት መስከረ።ንሳ ቀጺላ፡ እምበኣር ናይ ንጉስ ወተሃደር ፡ልኡኽ ፡ብዘይ ማሕተም ይኸይድ ድዩ፧  ቤትረ መስቀልካ ኣበይ ኣሎ፧ ክትብል ሓተቶ። ከምታ ቀዳማይቲ መዓልቲ ዝገበረታ ናይ ቅዱስ ሚካኤል ስእሊ ክተምጽእ ኢላ ‘” ጽናሕ በል ሚካኤል እንተ ኾንካስ ስእልኻ ከምጽኣልካ ” በለቶ እሞ  ገጹ ገልቢጡ ጽልመት ተኸዲኑ ካብ ቅድሚኣ ከደ። እቲ ንረድኤት ቅልጡፍ ዝኾነ ቅዱስ ሚካኤል ከም ቅጽበት ዓይኒ ቀልጢፉ ናብኣ መጸ፡”ብጽእቲ ኣፎምያ እንሆ ጾምክን ጸሎትክን ተሰሚዒልኪ እዩ እሞ ዕረፍትኺ ሎሚ እዩ ” ኢልዋ ንሰይጣን ኣባሪሩ ናብ ሰማይ ዓረገ።

ቅድስት ኣፎምያ ናብ ቤተ ክርስቲያን ከይዳ ናይ ክርስቶስ ስጋን ደምን ተቐቢላ ፡ ኣብኡ ዝነበሩ ጳጳሳትን ካህናትን ጸዊዓ  ካኣ ናብ ቤታ ተመልሰት ።ናብ ቤታ ምስ መጹ ካኣ ከከም ማዕርጎም ኮፍ ኣቢላ ምሳሕ ኣብሊዓ ዝስተ ኣስተየቶም።ኣብ ኢዳ ዝነበረ ወርቂ ብቅድስት  ቤተ ክርስቲያን መስርሒ ፡ዝነበራ ገንዘብ ንድኻታት ክኸውን ናብ ቤታ ዝመጹ ጳጳስ ኣረከበት እሞ ዓረፈት።ንብዙሕ ግዜ ኣብ ሕቑፍኣ ዝነበረት ናይ ቅዱስ ሚካኤል ስእሊ  ካብ ሕቑፍኣ ወሲዶም ኣብ ቤተ ክርስቲያን ኣቐመጥዋ።ንብዙሓት ሕሙማት ካኣ ትፍውስ ነበረት።

ጸሎታን በረኸታን  ናይ ቅድስ ኣፎምያ ምስ ኩላትና ይኹን።ንቅድስት ኣፎምያ ዝረድኤ  ቅዱስ ሚካኤል ሎሚ እውን ካብ ሽግርን ካብ ዓለማዊፍትወትን ብጸሎቱን ብረድኤቱን ይሓልወና።ኣሜን።

 ዘተፈነወ በ ባሕራን
ባሕራን  ወለዱ ናይ ቅዱስ ሚካኤል በዓል ዘብዕሉ ፈተውቲ እግዚኣብሔርን መኽበርቲ ቅዱስ ሚካኤልን  ነበሩ።እዞም ክልተ ወለዱ ካብታ ዘላቶም ንድኻታትን ናብ ቤተ እግዚኣብሔርን ይምጽውቱ ፡ንዕሩቕ ዝኸድኑ ንጥሙይ ዘብልዑ ናይ እግዚኣብሔር ሰባት እዮም ኔይሮም።

ከምዚ ኢሎም ብቃል ኪዳን ጸኒዖም እና ነበሩ ከለዉ ኣቡኡ ሞተ እሞ ኣዲኡ ካኣ ንባሕራን ጥንሲ ሒዛ ተረፈት።ኣብቲ ዝሓለፈ ሂወቶም ምስ  ሰብኣያ  እና ተሓጋገዘት ሂወታ እትመርሕ ዝነበረት ኣዲኡ በይና ምስኮነት ግን ናብራ ክኸብዳ ጀመረ።ከምዚ ኢላ ንኣምላኻ እና ኣመስገነት  ናይ ቅዱስ ሚካኤል ዝክር ትገብር ንድኻታት እውን ትምጽውት ነበረት።

መዓልቲ ንመዓልቲ ተኪኣ ግዜ ሕርሳ በጽሔ እሞ ንባሕራን ወለደት።በዚ  ግዜ እዚ ቅድስ ሚካኤልን ቅዱስ ገብርኤልን ብሓደ ናብ ቤታ መጺኦም ነቲ ህጻን ባረኽዎ  ንዓኣ ካኣ ነዚ ጎረቤትኪ ዘሎ ሃብታም ሰብኣይ እዚ ሕጻን ክወርሶ እዩ ” ኢሎማ ከዱ።እዚ ክብልዋ ከለዉ  እቲ ኣብ ጎረቤታ ዝነበረ ሰብኣይ ይሰምዓ ነበረ፡ካብ ሽዑ ጀሚሩ ካኣ ንዚሕጻን ከምይ ጌሩ ከም ዝቐትሎ ክሓስብ ጀመረ።

ኣዲኡ ንባሕራን ቆሪሳ እተብልዖ፡ መግቢ እትኸድኖ ልብሲ ክትስእንን  ክትሽገርን ጀመረት እሞ  እቲ ሃብታም ጎረቤታ ሰብኣይ ነዚ ከም መመኽነይታተጠቒሙ ፡ሓላዪ ተመሲሉ ከዕብየልኪ ኢሉ ነቲ ህጻን ናብ ቤቱ  ወሰዶ።ብድሕሪ እዚ ኣብ ሳጹን ኣእትዩ ናብ ባሕሪ ደርበዮ።እንሆ ካኣ ኣብ ገምገም ባሕሪ ኣባጊዕ ዝሕሉ ሰብ ነበረ እሞ ነታ ሳጹን ካብ ባሕሪ ብማዕበል ተገፊዓ ምስ ረኣያ ዓሳ መሲልዎ ከልዕላ ከደ እንተ ኾነ ግን እቲ ብኽፍኣት ናይቲ ሃብታም ሰብኣይ መታን ክመውት ናብ ባሕሪ ዝተደርበየ ምልኩዕ ህጻን ኮይኑ ጸንሔ። እቲ ዋና ኣባጊዕ ሰብኣይ ካኣ ውላድ ስለ ዘይነበሮ እና ተሓጎሰ  ናብ ቤቱ ወሰዶ ከም ውላዱ ጌይሩ ካኣ ኣዕበዮ።ካብ ባሕሪ ረኺበዮ ኢሉ ካኣ ባሕራን ኢሉ ሰመዮ።
ድሕሪ ብዙሕ ግዜ እቲ ሃብታም ሰብኣይ ብስራሕ ናብቲ ባሕራን ዝነበረሉ ዓዲ ገሸ ስለ ዝመሰዮ ኣካ ኣብቲ ናይቲ ሰብኣይ ቤት ሓደረ።እንሆ ካኣ እቲ ሰብኣይ ንባሕራን ክጽውዖ ከሎ ሰምዔ እሞ ፡እቲ ስም ስለ ዝገረሞ ትርጉም ናይቲ ስም ክነግሮ ተወከሶ።እቲ ሰብኣይ ካኣ እቲ ዘጋጦሞ ነገራትን ብኸመይ  መገዲ ከም ዝረኸቦን ገለጸሉ።ነዚ ዝሰምዔ ሃብታም ሰብኣይ ኣስዕብ ኣቢሉ “ክንደይ ዓመት ይገብር ክብል ተወከሶ” ዓመታቱ ጸብጺቡ ነገሮ እሞ እቲ ሃብታም ሓሲቡ እቲ ቀደም ናብ ባሕሪ ዘእተዎ ህጻን ንሱ ከም ዝኾነ  ፈለጠ ፡እንሆ ካኣ ብተንኮል ተላዒሉ ” ኣነ ዓስብኻ ክህበካ ፡እዚ ህጻን ካኣ ዘይትተርፍ መልእኽቲ ስለ ዘለትኒ ናብ ሰበይተይ ከብጽሓለይ ” ክብል ተወኪሱ ገንዘብ ከፊሉ ፡ነቲ ህጻን ከምቲ ይሁዳ ኣስቆሮታዊ ዝገበሮ ስዒሙ ኣፋነዎ።ንዝኾነ ሰብ ከየርኢ ካኣ ኣጠንቀቐ።እቲ ጽሑፍ “እዚ እቲ ንቤትናን ሃብትናን ክወርስ ዝተባህለ እዩ እሞ ተቐቢልኩም ቅተልዎ ” ዝብል ነበረ።

ከምዚ ኢሉ  ባሕራን ናይ ሞት ደብደቤ ተሰኪሙ ተበገሰ። ነዛ  ናይ ሞት ደብዳቤ  ሒዝዋ ንትሽዓተ መዓልታት ተጓዕዘ  ብድሕሪዚ ቅዱስ ሚካኤል ከም ሓደ ናይ ሰራዊት ሓለቓ ኮይኑ ምስኡ ብዙሓት መልእኽቲ ኣኸቲሉ ኣብ  መገዲ ተጓነፎ እሞ ናበይ ትኸይድ ኣሎኻ ክብል ሓተቶ።ንሱ ካኣ እቲ ዝኸዶ ዘሎ መገዲ ሓበሮ፡ነታ ሒዝዋ ዝነበረ ወረቐት ኣርእየኒ ምስ በሎ ግና  ጎይታይ ንሓደ ሰብ ከይተርኢ ኢሉኒ እዩ ክብል መለሰሉ።ኣብ መወዳእታ ካኣ ኣብ ኢዱ ከላ ንላዕሊ ሓፍ ኣበላ እሞ ቅዱስ ሚካኤል ነታ ናይ ሞት ደብዳቤ ብኣፉ ኢፍ ኢሉ ቀየራ፡ “ቅተልዎ” ዝብል ዝነበረ ደብዳቤ ካኣ “ናብታ ሓንቲ ጋለይ ኣመርዕውዋ ኩሉ ሃብተይ ኣውርስዎ ፡ኩሉኹም ጉዙኣት ካኣ ኣኽብርዎ ” ዝብል ኮነ። ብድሕርዚ ባሕራን ኣብ ቤት እቲ  ሃብታም ሰብኣይ በጽሔ እሞ ደብዳቤ  ተቐቢሎም  ኣመርዓውዎ  ኩሉ ሃብቲ ናይ ቲ ሰብኣይ ካኣ ኣውረስዎ ።ድሕሪ ግዜ እቲ ሃብታም ሰብኣይ  መግሽኡ ወዲኡ ናብ ቤቱ ተመልሰ እሞ ኣብ ገዝኡ ከይ በጽሐ ነቲ ኣብ ቤቱ ዝነበረ ሓጎስን ዕልልታን ምስ ሰምዐ ንኣገልገልቱ ብዛዕባ እቲ ዝኾነ ሓተቶም።ንሳቶም ካኣ ብዝሰደድካልና ደብዳቤ መሰረት እቲ ኩሉ ዝኣዘዝካና ፈጺምና እዚ ካብ ዝኸውን ኣርባዓ መዓልቲ እዩን በልዎ።ነዚ ዝሰምዐ እቲ ሃብታም ሰብኣይ ካብ ፈረሱ ብስንባዴ  ወዲቑ ሞተ።እቲ ዝኾነ ንሰበይቱ ነገርዋ ሰበይቱ ካኣ ሰንቢዳ ሞተት።ከምቲ ቅዱስ ሚካኤልን ቅዱስ ገብርኤልን ዝበልዎ ሃብቲ ናይቲ  ሃብታም ሰብኣይ ንባሕራን ኮነ።ናይ ሞት ደብዳቤ  ናይ ባሕራን  ናብ ሂወት ተቐየረ።እዚ ዝገብረ ኣምላኽና እግዚኣብሔር ዝኸበረን  ዝተመስገነን ይኹን።ኣሜን።
ጸሎትን ረድኤትን ናይ ቅዱስ ሚካኤል ምስ ኩላትና ይኹን ኣሜን።
ስብሓት ለእግዚኣብሔር
ወለወላዲቱ ድንግል
ወለመስቀሉ ክቡር
ኣሜን


No comments:

Post a Comment