bieteelyas.blogspot.com ቤተ ኤልያስ

Monday 5 June 2017

መንፈስ ቅዱስ ካብ መን ይሠርጽ? 2ይ ክፋል


ናይ ፊልዩክ ምውሳኽ ተቓውሞ ብዝምልከት ናይ ኦርቶዶክስ ኣብያተ ክርስቲያናት ንምንታይ ከም ዘይቅበልዎ ዘቕርብዎ መርትዖታት ነዚ ዝስዕብ ይመስል።

(ናይ ኦርቶዶክስ ኣብያተ ክርስቲያን ክንብብል እንከለና፡ ናይ ኦሬንታልን ናይ ግሪኽ ኦርቶዶክስን እዩ ዘጠቓልል። እዚ ማለት ኬልቄዶናውያን ንዝዀኑን ንዘይኮኑን ይሓቁፍ ማለት እዩ)

1. ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ መንፈስ ቅዱስ ካብ አብ ጥራይ ከም ዝሠርጽ (ዝወጽእ) ኣረጋጊጽልና እዩ ዮሐ 15፡26። ስለ ዝኾነ ድማ ናይ ኦርቶዶክስ አብያተ ክርስቲያናት ካብ አብ ጥራይ ምስራጹ ይኣምና። ሓደ ሓደ ከም ዝሓስብዎ ክርስቶስ መንፈስ ቅዱስ ካብኡ ከም ዝሠረጸ ጌሩ ዘይገለጸ ንትሕትና ኢሉ ኣይኮነን። ንትሕትና እንተ ዝኸውን እሞ መጸናንዒ (ጴራቅሊጦስ)ክሰደልኩም እየ ኣይምበለን ኔሩ። ስለዚ መንፈስ ቅዱስ ካባይ ይሠርጽ እዩ ዘይበለ ንትሕትና ዘይኮነስ፡ መንፈስ ቅዱስ ካብ አብ ጥራይ ከም ዝሠርጽ ንኸረድኣና ስለ ዝደለየ እዩ። መንፈስ ቅዱስ ክልእኸልኩም እየ ክብል ከሎ ካባይ ዝሠረጸ ምበለ ኔሩ እምበር ካብ አብ ዝወጽእ (ዝሰርጽ) ጥራይ ኢሉ ትም ኣይምበለን ኔሩ።

2. ካልእ ናይ ኦርቶዶክስ ቤተ ክርስቲያን ንፊልዩክ እትቃወመሉ ምኽንያት፡ ብሃይማኖታዊ ቀኖናታት ካብ ጥንቲ ጀሚሩ ብትምህርቲ ኮነ ብታሪኽዊ ጉዕዞ ዘየለ ምዃኑ እዩ። ኣብ ናይ ጥንቲ ናይ ሃይማኖት ቀኖናታት ይኹን ሥርዓተ ኣምልኾኣ ናይ ፊልዩክ ምልክት ዝተወሰኸ ኣብ ወላ ሓደ መግለጺ ተጻሒፉ ኣይርከብን እዩ።

3. ናይ ሥላሴ ኣካላት ምህላዉ ብዝምልከት ጥንታውያን ናይ ቤተ ክርስቲያን ኣቦታት ክገልጹ ከለዉ መንፈስ ቅዱስ ካብ አብ ጥራይ ከም ዝሠርጽ ኣረጋጊጾም እዮም። ካብቲ ብዙሕ ናይ ኣቦታት መግለጺ ንሕጂ ውሑዳት ንመልከት።

“መንፈስ ቅዱስ ሓቀኛ መንፈስ እዩ፤ ብርግጽ ካብ አብ ይወጽእ፡ ምርካቡ ድማ ብምስራጽ ድኣ እምበር ከም ናይ ወልድ ብምውላድ ኣይኮነን” (ቅዱስ ጐርጐርዮስ ዘእንዚናንዙ)

“ናይ አብ ኣካለዊ ግብሪ ናይ ወልድ ናይ መንፈስ ቅዱስን ግብሪ ናብ ምዃን ኣይልወጥን። ምንጪ ምኽንያት ከይኮኖ ብምንጭነት (መሰረትነት) ምንባር ናይ አብ ናይ በይኑ ጠባይ እዩ። እዚ ናይ ምንጪነት (መሰረትነት) ጠባይ ንወልድ ወይ ንመንፈስ ቅዱስ ጠባይ ክኸውን ኣይክእልን፡  ምኽንያቱ ወልድ ካብ ኣብ ስለ ዝወጽእ (ዝውለድ) መንፈስ ቅዱስ ውን ካብ አብ ( ይወጽእ) ይሰርጽ ከምዚ ከም ዝዀነ ቅዱሳት መጻሕፍቲ ይምስክሩ እዮም። ዮሐ 15፡26  16፡28 (ቅዱስ ጐርጐርዮስ ዘኑሲስ)

ናይ እስክንድርያ ቅዱስ ኣትናቴዎስን ቅዱስ ባሲልዮስን ድማ ብግልጺ “መንፈስ ቅዱስ ካብ አብ ይሰርጽ” ብምባል ካብ ወልድ ከይበሉ እዮም ጽሒፎም።

ምንም እኳ  ፊልዩክ ኣብ ናይ ሃይማኖት ቀኖና ትኽክለኛ ዘይ ምዃኑን፡ ብትምህርቲ መለኮትን ብቀኖና ቤተ ክርስቲያንን ሥርዓተ ኣምልዀን፡ መጽሓፍ ቅዱስ መሠረት ዘይብሉ ምዃኑ ፍሉጥ እንተ ዀነ ናይ ፊልዩክ ደገፍቲ ግን ፈልከት ኣይንብልን ብምባል እዮም ዝማጐቱ። ንኣብነት ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ሓደ ሓደ ጥቅስታት እናለቐሙ ንዝህብዎ ጌጋ ኣመለኻኽታ ቁሩብ መብርሂ ክንህብ ስለ ዝግበኣን ነዚ ዝስዕብ ንመልከት።

ሀ. “ንዓይ ካብ ዘለኒ ወሲዱ ክነግረኩም እዩ” ዮሐ 16፡14 ነዚ ቃል እዚ ብምሓዝ መንፈስ ቅዱስ ካብ ወልድ ውን ከም ዝሠርጽ ዘመልክት እዩ ይብሉ። ቃሉ ግን ከምኡ ኣይብልን እዩ ንዓይ ካብ ዘለኒ ወሲዱ ክነግረኩም እዩ ማለቱ “ኣነ ዝነገርኩኹም እሞ ዝረሳዕኩሞ ከዘኻኽረኩም እዩ እቲ ኣነ ዘይነገርኩኹም ድማ ብመለኮታዊ ሓድነትና ኣነ ዝፈልጦ ኵሉ ንሱ ዝፈልጦ ስለ ዝዀነ፡ ከምቲ ኣነ ዝነግረኩም ንሱ ውን ክነግረኩም እዩ” ማለቱ እዩ። ብተወሳኺ ውን ምውሳድ ማለት ምሥራጽ ማለት እዩ ተባሂሉ ክትርጎም ኣይግባእን። ስለዚ መንፈስ ቅዱስ ካብ ወልድ ቃልነት ወሲዱ ብናይ ወልድ ቃልነት ወሲዱ ክምህረኩም እዩ ማለት እዩ። ብጐይተትነትን መምህርነትን ምስ ወልድ ሓደ ስለ ዝዀነ። ንወልድ ዘለዎ ኵሉ ንመንፈስ ቅዱስ ውን ገንዘቡ ምዃኑ የመልክተልና ተባሂሉ ይትርጎም እምበር ካብ ወልድ ሠሪጹ ኣየስምዕን እዩ።

ለ. ብዛዕባ መንፈስ ቅዱስ “ናይ ወዱ መንፈስ” “ናይ ኢየሱስ ክርስቶስ መንፈስ’ “ናይ ክርስቶስ መንፈስ” ኢሉ ቅዱስ ጳውሎስ ኣብ ገላ 4፡6 ሮሜ 8፡9 ፊል 1፡19 ዝተዛረቦ ቃል ሒዞም መንፈስ ቅዱስ ካብ ወልድ ሠሪጹ ይብሉ። ኣብዚ ውን ንሳቶም ድኣ እዮም ዝብሉ ዘለዉ እምበር እዚ ዝጠቐስዎ ጥቕሲ ግን ከምኡ ኣየረድእን እዩ። ቅዱስ ጳውሎስ ኣብዚ ኣዘራርባኡ ወልድ ንመንፈስ ቅዱስ ንምሥራጽ ምኽንያት እዩ ንምባል ኣይጠቐሶን። ንሱ ክብሎ ዝደለየ መንፈስ ቅዱስ ብህልውናን ብባህርን ምስ ወልድ  ሓደ ከም ዝዀነ ንምግላጽ እዩ ጠቒስዎ። “ናይ ወዱ መንፈስ” ዝብል ሓረግ ዘረድኣና፡ መንፈስ ቅዱስ ምስ ወልድ ሓደ ዓይነት ባህሪ ዘለዎ፡ ብባህሪ ክብሩ ምስጋናኡ ጎይተትነቱን ኣገዛዝኣኡን ኩሉ ከም ናይ ወልድ ክብሪ ዘለዎ ምዃኑ እዩ። ቅዱስ ጳውሎስ በዚ ቃል መሠረት መንፈስ ቅዱስ ምስ ወልድ ብኽብሪ ሓደ ዓይነት ባህሪ ከም ዘለዎ ንምግላጽ ተዛረበ እምበር ናይ ሥርጸቱ መበገሲ ምኽንያት ንምምልካት ኣይኮነን።

መንፈስ ቅዱስ ናይ ጥበብ መንፈስ ናይ ምስትውዓል መንፈስ ናይ ፍልጠት መንፈስ ናይ ፍቕሪ መንፈስ ርእስኻ ናይ ምግታእ መንፈስ ናይ ውልድነት መንፈስ ተባሂሉ ተጸዊዑ ኣሎ። ኢሳ 11፡2  2ይ ጢሞ 1፡7 ሮሜ 8፡5  ወ.ዘ.ተ   ከምዚ ስለ ዝተባህለ ግን መንፈስ ቅዱስ ካብ ጥበብ፡ ምስትውዓል፡ ፍቕሪ፡ ርእስኻ ምግታእን ውልድነትን ይሠርጽ ማለት ኣይኮን። ስለዚ ኣብ ላዕሊ ዝረኣናዮ “ናይ ወዱ መንፈስ” ዝብል ጥቕሲ በዚ መልክዕ ክረአን ክትርጎምን ይግባእ።

ሐ. ኣብ ዮሐንስ ወንጌል ብዛዕባ ምልኣኽ መንፈስ ቅዱስ ተነጊሩ ኣሎ።

1. “ንሱ ድማ ንዘልዓለም ምሳኹም ዝነብር ካልእ መጸናንዒ ክህበኩም እዩ” ዮሐ 14፡16
2. “እቲ ኣነ ካብ ኣቦ ዝሰደልኩም ካብ ኣቦ ዝወጽእ መንፈስ ሓቂ ምስ መጸ ግና ንሱ ክምስክረለይ እዩ” ዮሐ 15፡26
3. “ኣነ ምስ ከድኩ ንሱ (ጴራቅሊጦስ) ክልእከልኩም እየ” ዮሐ 16፡7

  ኣብዚ ከነስተውዕሎ ዘለና ዓቢ ነገር ኣብ መንጎ ናይ መንፈስ ቅዱስ ተፈናዊነት (ምልኣኽን) ሠራጺነትን ዓቢ ፍልልይ ከም ዘሎ ክንፈልጥ ይግበኣና። መንፈስ ቅዱስ ካብ ኣብ ናይ ምስራጹ ስራሕ ዘለዓለማዊነት ዘሎ ናይ ኣካሉ ግብሪ ክኸውን እንከሎ፡ ናይ ተፈናዊነቱን ምልኣዅን ምውሃቡን ማለት ብበዓለ ሓምሳ ኣብ ልዕሊ ናይ ምሕዳሩ ስራሕ ኣብ ውሱን ጊዜ ዝተኻወነ ናይ መለኮታዊ ቃል ኪዳን ፍጻሜ ምርካብ ስለ ዝኾነ፡ ሠራጺነቱን ምልኣኹን ሓደ ጌርካ ምርኣይ ጌጋ ምዃኙ ክፍለጥ ኣለዎ።

ኣብ መወዳእታ መንፈስ ቅዱስ ካብ ኣብ ጥራይ ምሥራጹ ኣሚንና፡ ድሒሩ ንዝመጸ መናፍቅነት ካብ ምቕባል ግን መንፈስ ቅዱስ ጴራቅሊጦስ ባዕሉ የድሕነና ንብል ኣሜን።

ምስጋና ንእግዚኣብሔር
ንወላዲቱ ድንግልን
ንመስቀሉ ክቡርን
ንዘለዓለም ይኹን ኣሜን

No comments:

Post a Comment