bieteelyas.blogspot.com ቤተ ኤልያስ

Sunday 4 June 2017

መንፈስ ቅዱስ ካብ መን ይሠርጽ? 1ይ ክፋል

በስመኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ፩ዱ ኣምላክ ኣሜን

መንፈስ ቅዱስ ካብ መን ይሠርጽ? 1ይ ክፋል

ናይ ኤርትራ ተዋሕዶ ኦርቶዶክስ ቤተ ክርስቲያን፡ ምስተን ናይ ኦሬንታል ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ዝስመያ አሀት ቤተ ክርስቲያናት ማለት ኤርትራ ግብጺ ኢትዮጵያ ሶርያ ኣርሜንያ ህንድ ብሕብረት ቤተ ክርስቲያን ማለት መንፈስ ቅዱስ ካብ አብ ጥራይ ከም ዝሰርጽ ትቕበል። ኦሬንታል ኦርቶክስ ተዋሕዶ ኣብያተ ክርስቲያናት፤ ብናይ መጀመርያን ካልኣይን ዓለምለኻዊ ናይ ቤተ ክርስቲያን ውሳኔ መሠረት ማለት ብ325 ዓ.ም ኣብ ኒቅያ ብ381 ዓ.ም ድማ ኣብ ቁስጥንጥንያ ዝተወሰነ ጸሎተ ሃይማኖት ብምቕባል፡ መንፈስ ቅዱስ ካብ አብ ጥራይ ከም ዝሰርጽ ዝገልጽ እምነት ክሳብ ሕጂ ጸኒዑ ይነብር ኣሎ።

ኬልቄዶናውያን ናይ ምዕራብ ሮማ ካቶሊክን፤ ናይ ምብራቕ ናይ ግሪኽ ኦርቶዶክስ ውን ብወገኖም ናይ ኒቅያን ናይ ቁስጥንጥንያን ውሳኔ ተቐቢሎም ይነብሩ ኔሮም። ጸኒሓ ግን ናይ ሮማ ካቶሊካዊት ጉባኤ ነዚ ቀኖና ብምስዓር፡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስን ኣብ ናይ ቤተ ክርስቲያን ቀኖናን ዘየለ ቀኖና ወሲኻ “ዘሠረፀ እምወልድ” ካብ ወልድ ሠረፀ ብምባላ፡ ካብ ኦርየንታል ኣብያተ ክርስቲያን ጥራይ ዘይኮነ ካብ ናይ ግሪኽ ኦርቶዶክስ ውን ተፈልያ ትነብር ኣላ።

   ብጸሎተ ሃይማኖት ይኹን ብመጽሓፍ ቅዱስ፡ ናይ መንፈስ ቅዱስ ምሥራፅ ካብ አብ ጥራይ ምዃኑ ፍሉጥ ክነሱ፡ ናይ ሮም ካቶሊክ ማሕበር ብ1014 ዓ.ም “ካብ ወልድ ውን ይሠርፅ” ብምባላ ካብ ናይ ግሪኽ ኦርቶዶክስ ተፈልየት። እዚ ድማ ኣብ ታሪኽ ኬልቄዶናውያን ብናይ ምሥጢረ ሥላሴ ትምህርቲ ንምጀመርያ ጊዜ ዝተወጋገዝሉን ዝተፈላለይሉን ፍጻሜ ነበረ። ኣብዚ ክርክር’ዚ ኦርዮንታል ኦርቶዶክስ ኣብያተ ክርስቲያናት ተሳተፍቲ ኣይነበራን። ምኽንያቱ ድማ ካብ መጀመርያኡ ኬልቄዶናውያን ብድሕሪ ተዋሕዶ ክልተ ባህሪ ብምባሎም ስለ ዝተፈላለዩ እዩ። 

   ናይ ኦሬንታል ኦርቶዶክስ ኣብያተ ክርስቲአናት ኣብ ምሥጢረ ሥጋዌ ዘለዎም እምነት፡ ክርስቶስ መለኮቱ ምስ ትስብእቱ ብባህርያዊ ተዋሕዶ ሓደ ስለ ዝኾነ ብተዋሕዶ ሓደ ኣካል ሓደ ባህሪ እዩ ብምባል ናይ ምንታዌ ወይ ክልተነት ትምህርቲ የወግዙ። ኣብ ላዕሊ ከም ዝተገልጸ ውን ኣብ ምሥጢረ ሥላሴ ስለ መንፈስ ቅዱስ ሠራጺነት ዘለዎም እምነት ብጸሎተ ሃይማኖትን ብመጽሓፍ ቅዱስን ከም ዝተገልጸ “ዘሠረፀ እም አብ” ካብ አብ ዝሠረፀ ማለት እዩ።

  ካብ አብ ዝሠረፀ ምስ አብን ወልድን ብሕብረት ሓንቲ ስግደት ንሰግደሉ። “ወሶበ መጽአ ጴራቅሊጦስ ዘአነ እፌኑ ለክሙ ዘይወጽእ እም አብ ውእቱ ሰማዕትየ” እቲ ኣነ ካብ ኣቦ ዝሰደልኩም መጸናንዒ፡ ካብ ኣቦ ዝወጽእ መንፈስ ሓቂ ምስ መጸ ግና ንሱ ክምስክረለይ እዩ” ተባሂሉ ከም ዝተጻሕፈ ዮሐ 15፡26።

  ኣብ መንጎ  ቁስጥንጥንያዊት ናይ ግሪኽ ኦርቶዶክስን ብምዕራብ ናይ ሮማ ካቶሊካዊትን ጉባኤ፤ ናይ መንፈስ ቅዱስ ሠራጺነት ብዝምልከት ተላዒሉ ዝነበረ ክትዕ ብላቲን ፊልዩክ ኮንትሮቨርሲ (FILOQUE CONTROVERSY)  ተባሂሉ ይፍለጥ።  (FILOQE) ላቲናዊ ቃል ኮይኑ ትርጉሙ “ካብ ወልድ ውን ሠረጸ” ማለት እዩ። እዚ ናይ ዶግማ ፎርሙላ (ናይ ሃይማኖት ውሳኔ) መንፈስ ቅዱስ ክልተ ጊዜ ከም ዝሠረፀ ይገልጽ።

  ምንም እኳ ብምዕራብ ናይ ካቶሊክ ኣብያተ ክርስቲያናት ብወግዒ “ካብ ወልድ ሠረፀ” ዝብል ቃል ብ ዓሠርተ ሓደ ክፍለ ዘመን ዝተወሰኸ ምዃኙ ፍሉጥ እንተ ዀነ፡ ናይ’ቲ ታሪኽ መበገሲ ናብ ዝኾነ ንድሕሪት ምስ እንምለስ ግን ኣብ 6ይ ክፍለ ዘመን ኢና ንዓርፍ። ሓሰቡ ንመጀመርያ ጊዜ ዝነቐለ ኣብ ናይ ስጳኛ ግዝኣት እዩ። ናይ እስጳኛ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ኣርዮሳውያን ንዘለዋ ተቓውሞ ንምሕያል ክትብል፡ ዝወሰደቶ መደብ እዩ። እዚ ውን “ወልድ ምስ አብ ማዕረ እዩ ምኽንያቱ ንሱ ውን ምስ ኣብ ንመንፈስ ቅዱስ የስርፅ እዩ፡ ስለዚ ካብ አብ ዝንእሰሉ ወላ ሓንቲ ሰበብ የለን” ብምባል ወልድ ምስ አብ ማዕረ ምዃኑ ዘመልክት እዩ ክትብል ዝተጠቕመትሉ እዩ።

  ብ 589 ዓ.ም ናይ ስጳኛ ናይ ቶሌዶ ሪካርድ ጉባኤ ናይ ውግዘት ረቂቕ “ብመንፈስ ቅዱስ ዘይኣምን ወይ ካብ አብን ወልድን ምስራጹ ዘይአምንን ምስ አብን ወልድን ብሓድነት ንዘልዓለም ማዕረ ምዃኑን ዝኽሕድ እንተሎ ዝተወገዘ ዝተፈለየ ይኹን” ብምባል ፊልዩክ ዝተባህለ ትምህርቲ አጽደቐ። ዘሠረፀ እም ወልድ ክብል ይገልጽ፡ እዚ ኣብ ኒቅያን ቁስጥንጥንያን ናይ ሃይማኖት ቀኖና ዘየለ ተወሳዂ ፊልዩክ ዝተባህለ ቃል ካብ ስጳኛ ናብ ፈረንሳይ ተሰጋገረ። ብድሕሪኡ ውን ናብ ጀርመን ኣምሪሑ ካብ 742-814 ኣብ ቻርልማይን ተቐባልነት ረኸበ። ብተወሳኺ ብ794 ፍራንክ ፈርት ኣብ ዝተገብረ ብሴሚ ኣይኮኖክላስት ጉባኤ (semi-iconoclast council) ተቐባልነት ምርካቡ ተረጋገጸ።


  ኣብ ቻርለማይንት  ዝነበሩ ጸሓፍቲ “ፊልዩክ” ንመጀመርያ ጊዜ ናይ ክርክር ኣጀንዳ ገበርዎ። ግሪኻውያን እዚ መናፍቕነት እዩ ኢሎም እንተ ከሰስዎም ብዘጽሓፎ ናይ ችሎቱ ጸሓፍቲ ውን ግሪኻውያን ነዚ ሓድሽ ውሳኔ ከይተቐበሉ፡ ብናይ ጥንቲ ናይ ሃይማኖት ቀኖና ሥርዓተ ኣምልዀኦም ብምፍጻሞም ብተመሳሳሊ ከሰስዎም። ናይ ቁስጥንጥንያ ፓትርያርክ ፎቲየስ ብ9ይ ክ.ዘመን ከም ዝገለጾ ናይ ፊልዩክ ትምህርቲ ቡልጋርያ ብናይ ፈረንሳ ሚስዮናውያን ክኣቱን ክፍለጥን ከም ዝኸኣለ ገሊጹ። እዚ ክኸውን ዝኸኣለ ድማ ቡልጋርያውያን ብግሪኻውያን ተሰቢዀም ናይ ግሪኽ ኦርቶዶክስ ክርስትና ብምቕባሎምን ኣብ ትሕቲ ናይ ቢዛንታይን ፓትርያርክ ምእታዎምን ስለ ዝተፈልጠ፡ ነዚ ንምፍሻል ብመገዲ ሚስዮናውያን ዝተወስደ ጸረ-ቢዛንታይን ምልዕዓል እዩ ዝነበረ። ክርክሩ ኣብ መንጎ ጀርመንን ቢዛንታይንን ስለ ዝቐጸለ ሮማ ብሽምግልና ሓዘቶ። ብ 808 ዓ.ም ብፓፓ ልዮን ሣልሳይ (705-716) ዓ.ም ንቻርልማይን ከምዚ ዝብል ደብዳቤ ጸሓፈሉ። “ምንም እኳ ባዕለይ ውን እንተኾነ ናይ’ዚ ትምህርቲ ቅኑዕነት እንተ ተቐበልኩ፡ ፊልዩክ ካብ ጥንቱ ንናይ ቤተ ክርስቲያን ቀኖና ስለ ዝጻረር ጌጋ ከም ዝኾነ እፈልጥ እዩ” በለ ፓፓ ቤኒዲክት ሻምናይ 1112-1124 ዓ.ም መወዳእታ ፊልዩክ ስለ ዝጸደቐ ብሥልጣኑ ተቐባልነት ከም ዝህልዎ ስለ ዝወሰነ ብምዕራብን ብቢዛንታይን ኣብያተ ክርስቲያናት ምክፍፋል ፈጠረ ክልቲኦም ክፍልታት ተወጋጊዞም ተፈላለዩ።

  ኣብ ኒቅያን ቁስጥንጥንያን ዘይነበረ ኣብ ጸሎተ ሃይማኖት ናይ ሮማ ካቶሊክ ቤተ ክርስቲያን ዝወሰኸቶ ካብቲ ዓለምለኻዊ ናይ ቤተክርስቲያን ቀኖና ወጻኢ ስለ ዝኾነ “መንፈስ ቅዱስ ካብ ወልድ ሠረጸ” ዝብል ናይ ፊልዩክ ኣተሓሳስባ ምቕባል መናፍቕነት ምዃኑ የመልክተልና። ቤተ ክርስቲያንና ናይ ፊልዩክ ምውሳኽ ኣይትድግፎን እያ። በቲ ናይ ኣቦታት ኣብ ኒቅያን ቁስጥንጥንያን ዘጽደቕዎ ጸኒዓ “ዘሠረጸ እምአብ” ኢላ ክትምስክር ትነብር።

  ናይ ሮማ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን፡ ናይ ፊልዩክ ሓሳብ ተቐቢላ ኣብ ጸሎተ ሃይማኖት ዝደረበቶ ድሒራ ኣብ ርእሲ ምዃና፡ ቅድም ኢሎም ዝነበሩ ጳጳሳት ግን ነዚ ሓሳብ ይቃወምዎ ከም ዝነበሩ ናይ ታሪኽ ምስክርነት ኣሎ። ኣብ መወዳእታ ናይ 8ይ ክፍለ ዘመን ሉክዮስ ዝተባህለ መናፍቕ ተላዕለ። ኣብ ቁስጥንጥንያ 150 ሊቃውንት ብዝወስንዎ “ዘሠረጸ እም ኣብ” ኣብ ዝብል ናይ ሃይማኖት ውሳኔ “ዘሠረጸ እምወልድ” ክብል ፊልዩከ ወሰኸ፡ ብናይ ሰይጣን ምኽሪ ተንሲኡ ኑፋቔኡ ንምዝርጋሕ ኣብ ኣውራጃ ኢዮርሳሌም እንዳ ተመላለሰ ክምህር ጀመረ። ቅዱስ ጎርጎርዮስ ኢየሩሳሌም ንምስላም ከይዱ ስለ ዝነበረ ድማ፡ ናይ’ዚ ከሓዲ ቃል ሰሚዑ ብኣባታዊ ምኽሪ ገሰጾ። እቲ ከሓዲ ግን ናይ ሰብ ምኽሪ እምቢ ኣይሰምዕን ብምባል ናብ ሮም ከይዱ ትምህርቱ ምስ ነገሮም ናይ ሮም ሰባት ኣኽቢሮም ተቐበልዎ። ብድሕሪ’ዚ ናብ ፈረንሳ ብምኻድ ንዓቢ ንጉሥ ካርሎስ ክሕደቱ ሰበኸሉ፡ ሰይጣናዊ ትምህርቱ ንጉሥ ከም ዝተቐበለሉ ምስ ረኣየ ድማ ጉባኤ ይገበረለይ ኢሉ ለመኖ። ንጉሥ ነዚ ምስ ሰምዐ ጉባኤ ኣይገብርን ኢሉ ናብ ናይ ሮማ ጳጳስ ልዮን ሣልሳይ ለኣኸ። ልዮን ድማ እዚ ክሕደት ሓድሽ ኑፋቔ ስለ ዝዀነ ኣይቅበሎን ኢየ ብምባል ንንጉሥ መልሲ ሰደደ። ብቕጽበት ድማ ከምዚ ገበረ፤ ኣብቶም ሠለስተ  ዓበይቲ ጉባኤ አበው ቅዱሳን ሊቃውንት ዝወሰንዎ ናይ ኒቅያ፡ ቁስጥንጥንያ ኤፌሶን ውሳኔ ብላቲንን ብዮናኒ (ጽርኢን) ኣብ ክልተ ሰሌዳ ኣቕሪጹ ኣብ ኣፍ ደገ ናይ ቅዱስ ጴጥሮስ ቤተ ክርስቲያን ሰቐሎም። ኵሉ ዝኣቱን ዝወጽእን ነቲ ጽሒፍ እንዳ ርኣየ ካብቲ ሓድሽ መናፍቕነት ንኽጥንቀቕ ድማ ገበረ።

   ንኻልኣይ ጊዜ ውን ብ 856 ዓ.ም ዝተሾመ ፖፕ በናድክቱስ ሣልሳይ ናብ ናይ ምብራቕ ሊቃነ ጳጳሳት ናብ ቢዛንታይን ከምዚ ክብል ለኣኸ “መንፈስ ቅዱስ ካብ ኣቦ ጥራይ እዩ ዝሠርጽ እመበር ካብ ወልድ ኣይሠርጽን እዩ” እዚ ኣብቶም ዝተቐደሱ ጉባኤታት ዝተወሰነ ሃይማኖት ምስ ዝሕሉ እንተ ዘይኮይኑ ናይ ሮሜ ካህናትን ሓለፍትን ምስ ማንም ኣይሳተፉ። እቶም ደቂ ጥፍኣት መንፈስ ቅዱስ ካብ ወልድ ውን ይሠርጽ ንዝበልዎ ዝቕበል ከምኣቶም ርጉም ይኹን” ዝብል እዩ ኔሩ።

  ሣልሳይ ውን ኣብ ሮማ ብ879 ዝተሾመ 8ይ ዮሐንስ ዝበሃል 383 ኤጲስቆጶሳት ኣኪቡ ከምዚ በለ “ኣቐዲሞም ኣብ ቁስጥንጥንያ ካብ ዝወሰንዎ ካልእ ደፊሩ ሓድሽ ሃይማኖት ምስ ዘውጽእ፡ እምነት እዩ ኢሉ ውን ምስ ዝሕዞ መንፈሳውያን ኣበው ካብ ዝወሰንዎ ዝውስኽን ዘጉድልን እንተ ተረኽበ፡ ቅድሜና ዝነበሩ ጉባኤታት ይገብርዎ ከም ዝነበሩ ካህን እንተ ዀነ ክህነቱ ክንስዕሮ ኢና፤ ምእመን እንተ ኾይኑ ድማ ረጊምና ከነወግዞ ኢና” ብምባል ናይ ውግዘት ውሳኔኡ ብምምሕልላፍ “ካብ ወልድ ሠረጸ” ዝብል ውጉዝ ምዃኑ እዩ ገሊጹ።

ካብዚ ንላዕሊ ታሪኻዊ መርትዖታት ብምቕራብ ከም ዝተንተንናዮ ናይ ፊልዩክ ኣብ ጸሎተ ሃይማኖት ምውሳኽ ትኽክለኛ ዘይ ምዃኑ የረድኣና። ስለ ዝዀነ ውን መንፈስ ቅዱስ ካብ ኣብ ጥራይ ከም ዝሠረጸ ንኣምን እምበር፡ ካብ ወልድ ውን ይሠርጽ ዝብል ተወሳኺ ሓረግ ክንቅበል ኣይንኽእልን ውግዘት ስለ ዝዀነ ውን ኣይንቕበልን።

No comments:

Post a Comment